ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ኣሉታዊ ተመኩሮ

2024-04-16 07:29:42 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 306 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ካብ ምጅማር፡ በቲ ዝጀመርካዮ ቀጺልካ ኣብ ውጽኢት ምብጻሕ ከም ዝኸብድ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብተግባር ዝተረጋገጸ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ምጅማር ኣገዳሲ ተበግሶ ኮይኑ፡ በቲ ዝዓለሞ ውጽኢት እንተዘይተሰንዩ ግና፡ ዘቕስሞ ተመኩሮኳ እንተለዎ፡ ትጽቢት ዝተገብረሉ ባህግታት ስለ ዘየማልእ ፋይዳ የብሉን። በቲ ኣጀማምራኻ፡ ኣብቲ ዝድለ መዓርፎ ንዘይምብጻሕ፡ ምኽንያታቱ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘጓንፉ ዘይተጸበኻዮም ዕቅፋታት ክትብድህ ዘይምኽኣልን ንገዛእ ርእስኻ ኣካል ፍታሕ ዘይምዃንን  ካብቶም ምኽንያታት ከም ዝኾኑ ርዱእ እዩ። ካብዚ ንምድሓን እዩ ድማ “ኣብ ምጅማርካ ቅድሚ  ሓደ ስጉምቲ ምስጓም  ክልተ ሰለስተ ግዜ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ” ዝበሃል።

ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንሓርነት፡ ብዙሓት ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮታት ኣለዉና። ኣብ ሓደ ደረጃ ተሰማሚዕካ ከተብቅዕ ምፍታሕ፡ ሰሚርካ ክንስኻ ተመሊስካ ምፍልላይ፡ ተቛጺርካ ምጥላም፡ ከይትዋጋእ ተፈራሪምካ ከተብቅዕ ነቲ ውዕል ኣፍሪስካ ናብ ውግእ ምእታው፡ ንክትከባበር ተመሓሒልካ ከተብቅዕ ተመሊስካ ምጽልላም፡ ናተይ ኢልካ ናይ ዝተቐበልካዮ መትከላትን ፖሊስን ምእዙዝ ዘይምዃን፡ ኩሎም ናይ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ኣብነታት ጌርካ ዝውሰዱ እዮም።

እቲ ዘገርም ድማ እዚ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተረእዮ መልክዑ ከይቀየረ ክደጋገም እንዕዘቦ ዘለና ምዃኑ እዩ። ናይዚ ምድግጋሙ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ኣይኮነንዶ ካብ ናይ ካለኦት ናይ ርሑቕ ተመኩሮ ምምርማር፡ ካብ ነናይ ገዛእ ርእስና እውን ክንመሃር ዘይጸናሕና ምዃና ዘርኢ እዩ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰል ብዝጀመርካዮ ክሳብ ውጽኢት እተመዝግብ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ፡ ክሳብ ሎሚ እውን ዘይተፈልየና እዩ። እዚ ንእግረ መንገዱ ቅድሚ ናብ ደጋዊ ተጽዕኖታትን ዕንቅፋታትን ምቑማት  በዓልቤታዊ ድኽመትካ ከተወግድ  ዘይምብቃዕ ዘገንዝብ እዩ።

ብሰንኪ ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ድኽመትና፡ ኣብ መስርሕ ቃልስና፡ መሰረታዊ ብዘይኮነ ፍልልይ ክንደይ ውድባት ከም ዝተፈናጨላ፡ ክንደይ ሓድነታት ከም ዝፈረሰ፡ ክንደይ ጽላላት ከም ዝተኾልፈ፡ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘኩሮና ብምዃኑ ኣብ ልቦና ኩልና ስለ ዘሎ  ምዝርዛር ዘድልየና ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ከይተረፈ ኩልና ውድባትን ሰልፍታት ኤርትራ፡ ውጽኢት በቲ ዝጀምርካዮ ጸኒዕካ ናይ ዘይምቕጻል ኢና ምባል ምግናን ኣይመስለናን። ብዝጀምርካዮ ዘይምቕጻል ሓይልኻ በታቲኑ ዘዳኽም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽ ኩሉ ምዕራፋት ቃልስና፡ ብጸላእትና ክተባባዕን ክምዝመዝን ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚኳ ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፈርሖን ከምዘይዕወት ንምግባሩ ከይደቀሰ ከምዝሓድርን ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ። ናይቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ወጻኢ ከይተረፈ ህጻናት መልሚሉ፡ ፍሉያት ናይ ኣዕናዊ ፕሮፖጋንዳ መርበባት ከፊቱን ሰፍ ዘይብል በጀት መዲቡን ዘዕለብጦ ዘሎ ማእከል እዚ ዝተጠቕሰ ስግኣቱ እዩ። እንተኾነ ናትና ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ጸገም እንተዘይተወሲኽዎ ኩሉ ጻዕርታቱ መኻኒ  እዩ።

ኣብቲ ኣሉታዊ መስርሕ ብዝጀመርካዮ ዘይምቕጻል፡ ኩሉ ተዋሳኢ ነንናቱ ብጽሒት ዘልዕለሉ እኳ እንተኾነ፡ ማዕረ ተሓታትነት ነይርዎን ኣለዎን ማለት ከምዘይኮነ ድማ ምርዳኡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ዘሕድሮ ስንብራት ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ንምምልሱ ክሳብ ክንደይ ዋግኡ ክቡር፡ ዝወስዶ ግዜ ድማ ነዊሕ ምዃኑ ንስሕቶ ኣይኮነን።

ናይ ቀረባ ተመኩሮና እኳ እንተዘከርና፡ ኣብ ክሊ ውድባት ክኽሰት ዝጸንሐ ደቀቕቲ ናይ ምርሕሓቕ ተርእዮታት ገዲፍና፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ምፖሓኤ) መስሪትና ከነቐጽሎ ኣይበቓዕናን። ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ድኲና ዝጀምርናዮ ናይ ሓባር ጉዕዞ እውን ኣይቀጸለን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ብዝጀምሮ ምጥርናፍ ከምዘይቀጸለ እውን እንግንዘቦ ዘለና እዩ። እንተኾነ እንተወሓደ ኣብ ምውጋድ ህግደፍ፡ ምዕቃብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን፡ ዝኣመሰሉ ውሱናት መሰረታዊ ዝሰማምዑኻ ዛዕባታትን ኣትኪልካ  ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ምቅላስ ጓሲኻዮ ዘይሕለፍ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መስርሕ ምቅርራብ ሎሚ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ብዝጀምርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ዕንቅፋት ገጢሙና እዩ እሞ ኣብ መጻኢ እውን ኣይክንዕወት ኢና ማለት ሰለ ዘይኮነ፡  መጻኢ ብሩህ እዩ።

ብሰንክቲ ዝሓለፍናዮ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ተመኩሮ ተስፋ ከይቆረጽናን ከይሰልከናን ንቕጽል ምህላውና ዘተባብዕ እዩ። ክሳብ ሎሚ ብዝጅመርናዮ ቀጺልና ዘተኣማምን ናይ ሓባር መድረኽ ከነውሕስ ዘይምብቃዕና ድማ ድኹም ጐድንና ዘርእን እንንቀፈሉን እዩ። ኣብዚ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮና፡ ኣብ ክንዲ ንዝሓለፈ፡ ዘሎን መጻእን ፍጻመታት ኣገናዚብካ ኣርሒቕካ ምምዕዳው፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ጥራይ ምኹዳድን ምትህልላኽን ክሳብ ክንደይ ኣብ ዝሐለፈ ግዜ ከም ዝሃሰየና ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ዝሰፍሐ ዘራኽበና ዓብይ ስእሊ ዝያዳ ነራጉዶ፡ ነቲ ዝፈላልየና ውሑድን ዘይመሰረታውን ዛዕባታት  ከነተዓባቢ ህርድግ ምባልና እውን ከምኡ ሃስዩና እዩ።

ሎሚ ምስ ኩሉ’ቲ ዘለና ውህሉል ተመኩሮ፡ ተስፋ ዝህቡ ምልክታትኳ ይረኣዩ እንተለዉ፡ ካብቲ ከሳቕየና ዝጸንሐ፡ ብዝጀመርካዮ ናይ ዘይምቕጻል  ዕንይንይ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓወናን። ሓቢሩ ብሓደ ልሳን ዘድምጽ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምን ዓቕሚ ዘይምጥራይና ኣብ ዝባና ዘሎ ዕዳ ተሓታትነት እዩ። ጌና “ሎሚ እውን ይከኣል እዩ” ብዝብል ኒሕ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ንለውጢ ምህላውና ዘተባብዕን ዝነኣድን እዩ። እንተኾነ ብተስፋ ጥራይ ስለ ዘይንበር፡ ብፍላይ ኣብዚ ናይ ቀረባ ኮነ ናይ ርሑቕ ምዕባለታት ዞባና ብቕልጡፍ ምቅይያራት ተሰንዩ፡ ዝያዳ ኣሰካፊ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘለና። ምስዚ ንተደጋጋሚ ናይ “ኣይትረሓሓቑ” ምሕጽንታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብልና፡ ንኹሉ ክኢልናን ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ከፊልናን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብቲ “ብዝጀመርካዮ ርኡይ ውጽኢት ክሳብ  ምምዝጋብ ምቕጻል”  ዝብል ስንና ነኺስና ብጽንዓት ንሰጉም ጸዋዒትና እዩ።

Last modified on Tuesday, 16 April 2024 09:55