ምግባእ ቀዳማይ ስትራተጅያዊ ዳህሳስ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ተኸቲሉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በቲ ብ2 ሕዳር 2024 ዝተኸተመ ስምምዕ ምእዙዛት ምዃኖም ዳግማይ ከም ዘረጋገጹ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፡ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ብ11 መጋቢት 2024 ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ዕላማ “ብዛዕባቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሰላም ኢትዮጳያ፡ እስትራተጅያዊ ዳህሳስ ንምክያድን  ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ዘይተተግበሩ ጉዳያት ንምሕጋዝን” ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብቶም ኣብዚ ርክብ ቀዳምነት ዝተዋህቦም ነጥብታት፡ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ዕጥቒ ምውራድ፡ ምጥያስን እግሪ ምትካልን ከም ዝርከብዎም እቲ መግለጺ ዘርዚሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ድሕሪ ኣኼባ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትግራይ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ቀጻሊ ምምኽኻራት ከካይዱ ምስምምዖም  ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ስሩዕ ዝርርብ ንምክያድ ተመሳሳሊ ኣኼባ ንምውዳብ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይነዓቕ ኣውንታ ከም ዝተመዝገበ ጠቒሱ፡ “ምርግጋጽ ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ትግራይ፡ ጠቕሙ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እዩ” ኢሉ።

ኣብዚ ብላዕለዋይ መድረኽ/ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደበ ኣኼባ፡  ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ/ህወሓትን ከምኡ ድማ ብተዓዛብነት ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድ፡ ኣሜሪካን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ኣኼባ ብወገን ትግራይ ንክረኣዩ ዝቐረቡ፡ ዛዕባታት፡ ምምላስ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተታሕዘ መሬት ትግራይ፡ ተመዛበልቲ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበርዎ ምምላስ፡ ምንጻር ሕጋዊ ተሓታትነት ዝብሉ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምውራድ ዕጥቂ ወተሃደራት ትግራይ ዝብል ነይሩ። ብዛዓባ ነፍሲ ወከፍ እዞም ነጥብታት ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ  ሕብረት ኣፍሪቃ  ዝወጸ መግለጺ ኣይተጠቐሰን።

ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም፡ “ብናይ ውግእ ገበንን ሰብኣዊ ጥሕሰትን” ዝኽሰሱ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ክኢላታት ብዘሳትፍ፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ዝምስረት ፍሉይ ቤት ፍርዲ “ዋላ ኣብዘይህልውናኦም” ንክኽሰሱ  7 ብሰብኣዊ መሰል ዝግደሳ ትካላት ኢትዮጵያ ከም ዝጸወዓ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ።

እተን  ብሰብኣውን ሲቪላውን መሰል ዝግደሳ ትካላት፡ ነቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣመልኪተን፡ ብ8 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብቲ ዝምስረት ናይ ፍትሒ ኮሚሽን “ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተፈጸሙ ገበናት ወግዓዊ ይኹኑ” ዝብል ሓሳብ ክሰፍር ይግበኦ እውን ኢለን።

እተን ናይ ሓባር መግለጺ ዘውጸኣ ሰብኣውን ሲቪላውን ትካላት፡ ማእከል ዕቤት መሰልን ዲሞክራሲን፡ ክኢላታት ሕጊ ንሰብኣዊ መሰል፡ ጽምዶ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ማእከል መጐቲ ንሰብኣውነት ዝብላ ከም ዝርከብአን ተፈሊጡ። እቲ ቤት ፍርዲ ካብቲ ንቡር ኣብያተ-ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዝተፈልየ፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ናይ ምድናይ ስልጣን ምእንቲ ክህልዎ፡ ብዓለም ደረጃ ተመኩሮን ፍልጠትን ዘለዎም ዳያኑ ዝሳተፍዎ፡ ኩሉ ሓቆፍ ዓለምለኻዊ ስልጣን ዳንነት (Universal jurisdiction)፡ ንክኸውን ናይተን ትካላት መጸዋዕታ ኣንጸባሪቑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊቲ ገዛኢ ኣካል ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕ  (ህግደፍ)፡  በቲ ግንባር  ዝጽለዋ ማዕከን ገንዘብ ሕድርን ንግዳዊ ትካል  ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ፡ E.O. 14046 ብዝብል ዓንቀጽ ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ጽንብል 8 መጋቢት 2024 ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ሓቢሩ። ኣቶ ገረዝግሄር ኣብቲ ብ8 መጋቢት  ብማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሚሪካ (EWANA) ብ9 መጋቢት ድማ ብኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ሳስካቶን ካናዳ ዝተወደበ መድረኽ ተረኺቡ  መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት 2024 ብዙም ዝተሳተፈሉ፡ ናይታ ነቲ በዓል ዘዳለወት ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ኣገዳስነት ጠቒሱ፡ ከምኣ ዓይነት ውዳበ  ክተባባዕ ዝግበኦ ምዃኑ ዘኪሩ፡ ከምዚ ዓይነት ውዳበታት ኣብ ካልእ ከባቢትት ክፍለ-ዓለም እውን ክሰፍሕ ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝመስል ነጻ ማሕበራት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብን ንቓባውን ዘየለ ብምዃኑ ሃስያኡ ከቢድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብተን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝምረሓ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ውዳበ ዝጻወቶ ግደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ኣብሪሁ።

እዚ ኣገዳሲ ማሕበር ክተባባዕ ከም ዝግበኦዝሓበረ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ናብተን ኣብ መስርዕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘለዋ መንእሰያት ንክመሓላለፍ ጻዕሪ ክግበር ከም ዝግበኦ  ብምጥቃስ፡ እቲ መድረኽ ኣብ ድሮ ቀዳማይ ጉባአ ናይታ ማሕበር ዝተጋብአ ብምዃኑ ጉባአአን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ብ9 መጋቢት ብኣካል ዝተሳተፈሉ ናይ ኤርትራው ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ   ከተማ ሳስካቶን መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ኣዝዩ ዕዝዙ ክነሱ ድሕሪ ናጽነት ከኣ እታ ዝያዳ ዝተበደለት ምዃና ከም ዘተሓሳስብ ኣብሪሁ። ብዙሓት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ብህግደፍ ተጠሊመን፡ ፈቐዶ ሃገራት ዓረብ ክሳቐያ እንከለዋ፡ እተን ኣብ ሃገረን ዘለዋ እውን ብዱላት ምህላወን ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ኣብዚ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ሰዲህኤ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ዕማሙ ምዃኑ ከም ዝሓበረ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬት ኣረጋጊጹ።

Sunday, 10 March 2024 13:55

Dimtsi Harnnet Sweden 09.03.2024

Written by

ኣብ 2018 መራሒ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን “ናብ ሓድሽ ሰላማዊ ምዕራፍ ዝምድና ኣቲና” ምስ በሉ፡ ምጥራር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግበር ብብዙሓት ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምእታዎም ቀንዲ ምኽንያት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ንቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢልናዮ ኣለና” ምባሉ ናይ ብሓቂ ጌርካ ስለ ዝተወስደ። ደሓር ግና እቲ ቀንዲ መሰማሚዖም ጉዳይ ብይን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምንባሩ ብግብሪ ተራእዩ። ኣብቲ ኣብ ጅዳ ዝኸተምዎ ስማዊ ስምምዕ እውን፡ ኣብ ዓንቀጽ 4ተ ካብ ምጥቃሱ ሓሊፎም፡ ጉዳይ ምጥራር ዶብ ኣጀንዳኦም ከምዘይነበረ ኣረጋጊጸምዎ እዮም።

ኣንጻር ህወሓት ብሓባር ዝወፈርሉ ድሌቶም ኣብ መጀመርታኡ እኳ እንተዘይተጋህደ፡  በበይኑ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ግምት ነይሩ። ኣንጻር ህወሓት  ዝነበሮም ኩለ-መዳያዊ ወፍሪ ከይደንጐየ ናብ ውግእ ማዕቢሉ። እቲ ውግእ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ በብደረጃኡ፡ ብርሰት፡ ምዝንባል፡ ህልቂትን ዕንወትን ምውራድ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይቶም ተዋግእቲ ዓቕሚ ተዳኺሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ተጽዕኖ ሕብረተሰብ ዓለም ውግእ ጠጠው ንክብል ምስ ሓየለ፡ ብሰላም ክግታእ ናይ ግድን ኮይኑ። ህግደፍ ነቲ ናይ ሰላም ሃዋህው ክነጽግ እንከሎ፡ ብልጽግና ግና “ደጊም ውግእ ይኣክል” ስለ ዝበለ፡ ህውከት ኣቋሪጹ ንቀጻሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ መሰረት ዘንበረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ተኸቲሙ። ህግደፍ ኣብቲ ጠጠው ከብሎ ዘይከኣለ ውዕል ሰላም ዝነበሮን ዘለዎን ዘይዕግበት ንምግላጽ ከይሓፈረ “ብምዕራባውያን ተኾሊፍና” ብዝብል ደርጒሑ፡ ብዘይውግእ ክነብር ዘይክእል ምዃኑ ኣርእዩ።

ህግደፍ እቲ ጠጠው ከብሎ ዘይከኣለ ውዕል ሰላም ምስ ተኸተመ፡ ንከይትግበር ክኾልፎ ካብ ምጽዓር  ዓዲ ኣይወዓለን። ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጽእ” ዝብል ውሳነ ንከይትግባር ክሳብ ሎሚ ዕባራ ምኽንያታት ብምፍጣር፡ ዓንቂጹ ኣሎ። በዚ ድማ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ካብ ዝዕንቅፉ ቀንዲ ጠንቅታት ኣብያ ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ። ህግደፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ካብዚ ዓንቃፊ ተግባሩ ንክቑጠብ ንዘቕርብሉ መጸዋዕታታት ብኣሸካዕላል ክምልሰሉን ነቶም ዓገብ ዝበሉ ብዓይኒ ጽልኢ ክኸስስን ጸኒሑን ኣሎን። ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪታንያን ኣትይዎ ዘሎ ኩርባባ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እንተኾነ እዚ ሎሚ ዝሕሰሞ ዘሎ ምሕጽንታታት ጽባሕ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ናብ ዝሃሲ ኣስገዳድ ክምዕብል ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ህግደፍ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ንዘይምውጻእ የቕርቦም ካብ ዘሎ ምኽንያታት “ሰራዊተይ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እዩ ዘሎ” ዝብል እዩ። ምስዚ ዘለናዮ ምዕባለ እቶም “ውጻእ” ዝብልዎ ዘለዉ ኣካላት፡  ሰራዊት ኤርትራ ኣበይ ከምዘሎ ስለ ዝርድኡ ይጽውዕዎ ከም ዘለዉ ዘስትውዓለ ኣይመስልን። ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረታዊ ምኽንያት ኮይኑ ዘይኮነ፡ ከም መሸፈኒ ተወሲዱ ብዝተኸፍተ ንክልተ ዓምታት ዝኣክል (1998-2000) ዳማዊ ውግእ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብቲ ብውዕል ኣጀርስ ዝተመስረተ ኮሚሽን ዶብ ቀሪቡ ካልእ መልክዕ ክሕዝ ክኢሉ። በቲ ኮሚሽን ድማ ኣብ ደንሃግ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ተዋሂብዎ።

እንተኾነ ብብዙሕ ደረጃታት ሓሊፉ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣብ መሬት ምምልካት ምስ በጸሐ  ኣይሰጐመን። ኣብ ከምዚ ኩነታታት “ከተማ ባድመ ንኤርትራ ተፈሪዳ” ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ካልእ ከባብታታት ብፍላይ ድማ ኣብቲ ማእከላይ ዞባ ዝበሃል፡ ኣፍካ መሊእካ “ኣየናይ ዓዲ ናብ ኤርትራ፡ ኣየናይከ ናብ ኢትዮጵያ” ከም ዝተፈርደ ምንጻር ኣጸጋሚ እዩ። መስርሕ ምጥራር ከምቲ ብሕጊ ዝጀመሮ፡ ብሕጊ ንከይውዳእ ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ዓንቃፊ ኣስተዋጸኦ ኣለዎም። ኢህወደግ “በዓል 5 ነጥብታት” ዝብል ምስቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዘይቃዶ ፖሊሲ ኣውጺኡ ንዝያዳ 20 ዓመታት ናብ ደውታ ኣእትይዎ። ህግደፍ ከኣ ብመሰረቱ ከምቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ፡ “ምስ ኢትዮጵያ ዘዋጋኣና ጉዳይ ዶብ ኣይነበረን፡ ጉዳይ ዶብ እንተዝነብር ብናይ ሕጊ መስርሕ መተፈትሐ” ዝብሎ ዝነበረ ከም መጻልኢ ምስ ህወሓትን  ኣውሓስትን ይጥቀመሉ ነይሩ እምበር ክጥረር ይደሊ ኣይነበርን። ብፍላይ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት ተፈጢርሉ ክነሱ፡ ኣይኮነንዶ ከተግብሮ ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ገይሩ’ውን ከምዘይወሰድ ባዕሉ ክገልጾ ዝጸንሐ እዩ።

ህግደፍ ቅድም ኮነ ሎሚ ዶብ ክጥረር ዘይደለየሉ ምክንያታት፡ ሓደ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምሕዋስ መንገዲ ክኾኖ ይደሊ ነይሩ። ሎሚ ድማ መፍረሲ ውዕል ፕሪቶርያ ይጥቀመሉ ኣሎ። ብዓብይኡ ድማ “ጌና ልኡላዊ መሬትና ከየውሓስና”  እናበለ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ክሕበኣሉ ዝጸንሐን ዘሎን መኸወሊ እዩ። ሎሚ ግና እዚ ጉዳይ ዶብ ዝምዝምዝ ተገላባጢ ሸርሒ ኢሳያስ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ ብሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ስለ ዝተኸሸሐ ዝሕበኣሉ ዘይኮነ ዝቃለዓሉ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ገለ ኤርትራውያን ወገናት፡ “ምጥራር ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ዝብል ነቲ ናይ ኢሳያስ ዘዳምቕ ድምጺ ይስማዕ ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን ነቲ ዶብ ኣብ መሬት ኣብ ዘይተመልከተሉ፡ “ሰራዊትና ኣብ መሬት ኤርትራ እዩ ዘሎ” ዝብል ንህድማ ኢሳያስ እዝኒ ዝህብዎ ኤርትራውያን ይህልዉ ይኾኑ። ብሕጋዊ መንገዲ ምጥራር እናተኻእለ፡ ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ዘንጊዖም፡ “ብሓይሊ ዝተወስደ መሬት ብሓይሊ ምምላሱ” ቅኑዕ እዩ ዝብሉ እውን፡  ይስምዑ እዮም።

እዚ ኩሉ ተደሚሩ ነቲ ኢሳያስ ምስምስ ዶብ ብምፍጣር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሕቶ ካብ ምምላስ እናሃደመ ዕድመኡ ንምንዋሕ ዝመሃዞ ተንኮል፡ ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ ክምከት ይግበኦ። ብኣንጻሩ ሎሚ እውን ዶብ ምጥራር ኢሳያስ ንዝብለጸሉ መሳኹቲ ዝዓጹን ንለውጢ እንገብሮ ቃልሲ ከም ዘይዕንቅፍ ብምርዳእን፡  ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ብሰንኪ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ከይነኣቱ ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፡ እቲ 1,033 ኪ/ሜ (641.9 ማይላት)  ዝንውሓቱ “ዶብና ኣብ መሬት ይመልከት” ዝብል ድምጽና ክብርኽ ይግበኦ።

ጸሓፊ ብሊንከንን ፍሉይ ልኡኾም ኣብ ሱዳን ቶም ፐሬሎን

 ብ26 ለካቲት 2024 ናብ ሱዳን ዝተመዘዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቶም ፐሬሎ፡ ድሕሪ ምምዛዞም፡ ኣብ ናይ መጀመርያ ጉዕዘኦም ናብቲ ዞና፡ ቀዳማይ ዕማሞም፡ ኣብ ሱዳን ንምቑራጽ ተኹስን  እኹል ሰብኣዊ ቀረብን ከም ዝጽውዑ ኣፍሊጦም። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፡ መገሻኦም  ብስም ቤት ጽሕፈት ወዳኢ ጉዳይን መንግስትን ኣሜሪካ ምዃኑ ኣነጺሮም።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ሓጺር መልእኽቶም፡ “ንሕና እዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል ንደሊ። ከምኡ እውን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኩሎም ሱዳናውያን እኹል ሰብኣዊ ቀረብ ክረጋገጽ ድሌትና እዩ” ዝብል ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ፐሪየሎ፡ ምስ ኩሎም ተሻረኽቲ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ከምኡ እውን ምስ ኩሎም ብሰንኪ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዘለዉን ኣብ ካልእ ከባቢ ዝርከቡን ስደተኛታትን ተመዛበልትን  ክራኸቡ ምዃኖም ጠቒሶም።  ከምኡ ከኣ ምስቶም ጉዳይ ሱዳን ብሰላም ክውዳእ ዝድግፉ ኣፍሪቃውያንን ከም ሳዑዲ ዓረቢያ ዝኣመሰሉ መሻርኽትን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ኣስፊሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ብምኽንያት ኣብዚ ቀረባ ዝጅመር ቅዱስ ወርሒ ሮመዳን 2024 ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ከም ዝወሰነ እቲ  ኣፍሊጡ። ከምኡ ድማ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ክመጽእ ጸዊዑ።

ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ፕረሲደንትን ቀዳማይቲ ሚኒስተርን ዝመርሓ ዘለዋ ኣፍሪቃውያን

ኣብ ዓመተ 2023-2024፡ ብደረጃ ዓለም 29 ደቂ ኣንስትዮ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ምምራሕ ንጡፋት ከም ዘለዋ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ከከም ስርዓተ መንግስቲ ነናይ ሃገረን ብደረጃ ፕረሲደንትን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ዝመርሓ ዘለዋ እየን።

ሓሙሽተ ካብተን 29፡ ኣብዛ 54 ሃገራት ዘለወኣ ኣፍሪቃ ዝመርሓ ዘለዋ እየን። ንሳተን ድማ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውደ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኡጋንዳ ሮሚና ረማንጃ፡ ፕረሲደንት ታንዛንያ ሳምያ ስሉህ ሓሰን፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቶጎ ቪክትዋህ ዶግበንን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናሚቢያ ሳራኩኮንግዌል እየን።

ኣብታ 27 ኣባል ሃገራት ዘለወኣ ሕብረት ኤሮጳ ከኣ፡ ነታ ኣብዚ ቀረባ ስልጣና ዝለቐቐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ ወሲኽካ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮ ሃገራት ይመርሓ ኣለዋ። ኣብ ኤውሮጵ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምረሓ ዘለዋ ሃገራት፡ ጣልያ፡ ደንማርክ፡ ግሪክ፡ ስቶኒያ፡ ላትቫኒያ፡  ልትዋንያ፡ ስሎቫኪያን ስሎቨንያን ምዃነን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኤስያ ምስቲ ዘለዋ ስፍሓትን ብዝሒ ሃገራትን ዝወሓዳ መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወኣ እያ። ንሳተን ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላደሽ ሸኽ ሃሲና ዋጅድ፡ ፕረሲደንት ህንዲ ድሮፓዲ ሙርሙርን ፕረሲደንት ታይዋን ዳይ ኢንግዌን እየን።

እተን ካለኦት ብደቂ ኣንስትዮ ዝምረሓ ሃገራት ከኣ፡ ኒውዚላንድ፡ ፔሩ፡ ሰርብያ፡ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና፡ ጆርጅያ፡ ሆንዱራስ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ሞልዶቪያ፡ ሳማኦ፡ ባርቤዶስ፡ ትሪናዳድን ቶባጎን እየን።

ኣብ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዘርኣየኦ ወተሓደራዊ ተወፋይነት ካልእስ ይተረፍ፡ ዋላሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ደረጃ ጀነራል ዘይምብጸሓ ከዛርብ ዝጸንሐ እዩ።

Thursday, 07 March 2024 23:04

Dimtsi Harnnet Kassel 07.03.2024

Written by
Page 11 of 558