ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ፡ እንታይ ንምርግጋጽ ምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ እዩ። ህግደፍ እውን ኮነ ኢሉ “ጸማም እዝኒ” ንምሃብ እንተዘይኮይኑ፡ ብህዝቢ  እንታይ ክገብር ይሕተት ከም ዘሎ ኣዳዕዲዑ ዝርደኦ እዩ። ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምምላስ ካብ ዝጥቀሞም ብዙሓት ተንኮለኛ ሜላታት ንህዝቢ ቀዳምነቱ ዘረስዕ መህደሚ ኩነት ፈጢርካ ቅድሚት ምስራዕ እዩ። ብፍላይ ከኣ ናብ  ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘነጻጸረ ዘሰንብድ ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲካ ምቕራብ ሓደ ካብቲ  ሜላታቱ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓደጋ ፈጢርካ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ውግእ ብምኽፋት ክሕንክሮ ዝጸንሐ “ደጊም ይኣክል” ክበሃል  ዝግበኦ  መምሃሪ ተመኩሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ቀዳምነት ሰሪዑ ካብ ዝቃለሰሎም ጠለባት፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ናይ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ሓደ እዩ። በዚ ሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ መሰል ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ከምኡ እውን ኣድላይ ኣብ ዝበልካዮ መድረኽ ተወዲብካ ናይ ምቅዋም መሰል ጠልብ ኣለዎ። ኣብ ርእሲዚ ልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ዝረጋገጸሉ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝዝርጋሕ ዲሞክራሲያዊ ምርጫታት ከካይድ ካብቲ ዝቃለሰሉ እዩ። ኢሳያስ ነዚ ጠለባት ህዝቢ፡ በቲ ምስ ጐደልኡ ክትግበር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ከይተተግብረ ዝሞተ ሰነድ እዩ”  ምስ በሎ፡ ንተስፋታትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጸልሚትዎ እዩ።

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣማምን ሰላም ተፈጢሩ ብመንፈስ “ንገድ ነጋዳይ፡ ሕረስ ሓረስታይ” በብዘለዎ ዓቕምን ጥሪትን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከውፍር ይብህግ። ህግደፍ ግና ዕላምኡ  ጸረ ባህጊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ከም መንግስቲ  ኣብቲ ዜጋታት ክዓምዎ ዘይክእሉ ጥራይ ከውፍር ቅሩብ ኣይኮነን። ሓረስታይ ዋና መሬቱ ኮይኑ፡ ሓሪሱ ንገዛእ ርእሱ ተቐሊቡ ዝተረፈ እቶቱ ናብ ዕዳጋ ዘውርደሉ ኩነታት ክጣጣሑሉ ይጽበ ነይሩ። ብዘይካዚ ነቲ ኣብ ህልውና ሕብረተሰብ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ምህናጽ መጽለሊ ኣባይቲ’ኳ ብኤርትራውነቱ  ዕድል ዝኸፍተሉ ባብ ምርሓው ኣብ ግምት ክኣቱ ካብ ዘይተተግበሩ ሃንቀውታ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርትን ሕክምናን ህልውናን ቀጻልነትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ዝውስኑ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ካብ ስድራቤቶም ከይረሓቑ ካብ ወተሃደራዊ ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ትምህርቶም ዝቕጽልሉ ባይታ ክፍጠር ሓደ ካብ ዝተቓለሰሉ እዩ። ሕክምና ብቐጥታ ከም ህዝቢ ህልውና ዝውስን እዩ። ኣብዚ መዳይዚ መጀመርያ መንግስቲ ኩነታት ብምጥጣሕ ሓላፍነቱ ክፍጽም ህዝቢ ተጸብይዎ። ንሱ ኣብ ዘይዓመሞ ከኣ ዓቕሚ ብዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንክምላእ መንግስቲ ኩነታት ከጣጥሕን ሓላፍነት ክወስደሉን ዝነበሮ  ነይሩ።

ብግብሪ ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጠለባት ህዝቢ ካብ መጀመርታኡ ዝበኾሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ህግደፍ ይምልከተኒ እዩ ኢሉ ኣልዒልዎ’ውን ዘይፈልጥ ዛዕባ እዩ። እቲ ህግደፍ ኣብ በበይኑ መድረኻት ብሕገመንግስቲ፡ ብምርጫን ዲሞክራሲን ዝሕጭጮ ናይ ዘይምግዳሱ መርኣያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ብዓንተብኡ ዕላማኡ ዘይምንብሩ ዘርኢ እዩ። እቲ ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ቁጠባ ምውፋርስ ይጽናሕ እሞ፡  ነባር ጋራጃት፡ ድኳናትን መሰል ናእሽቱ ትካላትን ንምዕጻው በብግዜኡ ዝወሰዶም ስጉምትታት ምዝካር ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ “ድኳናት ሕድርን 09ን” እሱር ንክኸውን ዝፍጽሞ በደላት ካልእ መርኣያ እዩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ሳዋ ኢደን ሂበን ንክጭፍለቓን ስርዓተ-ትምህርቲ ብውትህድርና ክቃነን ንርእዮ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብ ዓዱ መባእታዊ ሕክምናን መድሃኒትን ክረክብ ዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካምፓላ፡ ኢስታንቡልን ካልእ ከተማታትን ከርተት ዝብሎ ዘሎ፡  ህግደፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።

ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጨቋኒ ተግባሩ ንምሕባእ፡ ናብ ደገ ንምምዕዳው ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮኡ ምስ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነትን ብቐጥታ ውግእ ብምኽፋትን ዝዛመድ እዩ። ሎሚ ድማ ኣብ ርእሲቲ ከም ካልእ ገጽ ናይቲ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነቱ፡ ሜላ ቀይሩ ናብ ቁጠባዊ መዳህለሊ ሜላ ምምራጽ ዝኣተወ ይመስል። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ኢጣልያውያን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣውፈርትን ዝርአዮ  ሕግብግብ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዞም ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብ ምምዕባል ወደባትን ዝርጋሐ ትሕተ-ቅርጻን ከም ዘተኩሩ ከተንብሁ ሰሚዕናዮም ኢና።

ብዓብይኡ እዚ ኣብ ዓድኻ ኣልሚዕካ ንገዛእ ርሽኻን ህዝብኻን ናይ ምጥቃልም መሰል ጠቕሊሉ ዝኸሓደ ህግደፍ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምውድኽዳኹ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝተበላሸወ ምስሉ ናብ ምጽብባቕ እንተዘይ ኮይኑ፡ ቁጠባዊ ሕቶ ህዝብና ናብ ምምላስ ዘድሃበ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነዚ ዝጸውር ባህሪ ስለ ዘየብሉ። መንግስቲ ጣልያን ቅድሚ ሕጂ’ውን ነዚ ዝባሃል ዘሎ ፕሮጀክት ብ60 ሚልዮን ዶላር ንምትግባሩ ወጢኑስ፡ ብናይ ህግደፍ “እቲ ገንዘብ ሃቡና ባዕልና ክንሰርሖ ኢና” ብሃልነት  ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ።

ናይ ሎሚ  ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ንናይ ውጻኢ ኣውፈርቲ ጠለብ ክጸውር፡  ብሰንኪ ህግደፍ ዝደረኾ ግዱድ ውትህድርናን ጽዑቕ ስደትን ዕለታዊ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ማሕበራዊ ተርእዮ ዝዓምም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘየብሉ፡ ቀረብ ጸዓትን መራኸብታትን ኣብ ዝተደረተሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕሰ ሕጊ ወፍሪ ኣብ ዝበኾረሉን  ቀጥዒ ዘየብሉ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሸፈጥን ናይቲ ጉጅለ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ኤርትራ  ዝሰልጥ ናይ ግዳም ወፍሪ ክህሉ ዝግመት ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ብህዝቡ ዘይተኣምነ ጉጅለ ብናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክእመን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። 

ምናልባት ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሰንበል ኣሎ ዝበሃል “እንዳ ኮርያ”  እናተባህለ ዝጽዋዕ ምስ መሰረታዊ ድሌትን ዓቕምን ሓፋሽ ህዝቢ ዘይመጣጠን ህግደፍ ግና ዝፍክረሉን ንወጻእተኛታት እናካረየ ካዝናኡ ዘህጥረሉን ርሻናት ይህነጽ ይኸውን። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ   ኣይኮኑን” ዘብል። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን በዚ ዘብለጭልጭን ንሃልኪ ዝቃላሕን ዜናታት ከይተደናገረ፡ በቲ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምምላስ  ሒዝዎ ዘሎ  ቃልሱ ንክትቅጽል ጻዋዒትና እዩ።

Friday, 28 June 2024 00:13

Dimtsi Harnnet Kassel 27.06.2024

Written by

ነባር ተጋዳሊት ኣልማዝ ወልዱ፡ ብ21 ሰነ 2024 ከም ዝዓረፈት ዝሕብር ዜና ምስ ተሰምዐ ኣዝዩ መሪር ሓዘን ተሰሚዑና። ብ1973 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈት ሓርበኛ ኣልማዝ ወልዱ፡ ካብ ግዜ ንእስነታ ጀሚራ ምእንቲ  ህዝባን ሃገራን ብተወፋይነት ዝተቓለሰት ምንባራ ታሪኻ ይሕብር።

ኣልማዝ ብዝነበራ ትግሃትን ተወፋይነት ኣብ መስራቲ ጉባአ ጠቕላላ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣባል መሪሕነት ኮይና ከም ዝተመርጸትን  ኣብ ዝተመደበቶ ጽፍሕታት ብብቕዓት ግቡኣ ዘወፈየትን ምንባራ ይፍለጥ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሳ ሕውስቲ፡ ጠርናፊት፡ በዓልቲ ልዑል ተስፋን ኣዝያ ሓላይትን ርህርህትን  ከም ዝነበረት እውን ናይ ቀረባ መቓልስታ ይምስክራ።

እነሆ ከኣ ምእንቲ ሓርነት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቃልሲ’ውን ከይበኾረት፡ ኣብ መወዳእታ ብዝሓደራ ሕማም፡ ብበዓል ቤታን ደቃ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፋ፡ ከም ኩሎም ቅድሚኣ ዝተሰውኡ ብጾታ፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለትላ ሃገራ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበት  ተቓላሲት ኮይና፡ 5 ሓምለ 2024 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ካስል ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።

ተቓላሲት ኣልማዝ ካብዛ ዓለም ብምት ምፍላያ፡ ዝተሰማዒ መሪር ሓዘን እንዳገለጽኩ፡ ብስም መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነፍሰ-ይማሃር ኣልማዝ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ፡ ንመላእ ስድራን ቤተሰብን ድማ ጽንዓት ይሃብኩ እምዳበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ይሕብር።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

27 ሰነ 2024

ዳይረተር ትካል ጥዕና ዓለም ድር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ

ትካል ጥዕና ዓለም/WHO፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ ሱዳን ዋና ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኮርደፋን ኣል-ፋሸር ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣደታትን ህጻናትን ብዝተፈጸመ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ኣፍሊጡ። ኣብ ምጥቃዕ እዚ ሆስፒታል ሰራዊት ሱዳንን እቲ ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን ክልቲኦም ከም ዝኽሰሱ እውን እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብቲ ሻቕሎቱ ዝገለጸሉ ዜና ጠቒሱ።

ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖ ገ/ እየሱስ፡ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሆስፒታል ዝተወስደ መጥቃዕቲ “ዘሻቕልን ዘሰንብድን እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣካላት ሱዳን ድሕነት ኣደታትን ህጻናትን ክሕልዉን ውሑስ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኩነታት ክፈጥሩን ኣተሓሳሲቡ። ናይ ረዲአት ትካላት ብዘቕረብዎ ጸብጻባት መሰረት፡ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ካብ 15 ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዓሰርተታት ኣሸሓት ከም ዝተቐትሉን ኣስታት 10 ሚልዮን ድማ ከም ዝተመዛበሉ እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም/WFP፡ ብወገኑ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ተንታን ኣብ ሱዳን 44 ናይ ሕሱም ጥሜት መርኣያ ነቑጣታት ከም ዘለዋ ሓኢሩ። እዘን ቦታታት መዛሕትአን ኣብ ከም ካርቱም፡ ዳርፎርን ጀዚራን ዝኣመሰላ ውግእ ዝጻዕጸዐን ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብኣተን ኣስታት 2.6 ሚልዮን ዝኸውን ኣብተን ዝያዳ ብጥሜት ዝተጠቕዓ ዝሰፈረን 5 ቦታታን ከም ዝርከባ ኣስፊሩ። 

ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ተጸሚድና ዘለና ኤርትራውያን ሃገርናን ህዝብናን  ክኾንሉና እንደልዮም ብዙሕ ባህግታት ኣለዉና። ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝሰፈና፡ ህዝባ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን እግሩ መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ክትኮነልና ንብህግ። ኤርትራ ብቕዋም እትመሓደር፡ ብህዝቢ ብዝተመርጹ ኣካላት  እትምራሕ፡ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑላ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝተረጋገጸላን ህዝቢ ልዕሊ መንግስቲ ዝበረኸላን  ክትኮነልና እውን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማ እዩ። ምስ ጐረባብታ ኣብ ናይ  ሓባርን ምክራን ዝተሰረተ ዝምድና ክህልዋ ነማዕዱ። እዚ ስለ ዝበኾረ ኢና ከኣ ኢና ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓርነት ቃልሲ ዘለና።

እዚ ባህግታት’ዚ፡ ንውሱናት ደገፍትን መሳርሕን ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ መላእ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ንምዕዋቱ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እውን ናይ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ናይ ውልቃውያን እሞ ጽልኢ ዝወለዶ ኣይኮነን። እቶም ብዙሓት ሓቢርና ተቓሊስና ሓቢርና ክንዕወት እንብህግ ቅድም በብውልቅና ከነዕርዮ ዝግበኣና ኣካይዳን እነተኣታትዎ ሃናጺ ኣተሓሳስባን ኣሎና። ነናትና ከየዕረና ናይ ካለኦት ከነዕሪ ምጽዋዕ ኮነ ምጭራሕ ግና ኣየድምዕን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ካለኦት ክገብርዎ እንደልዮ ካባና ክጅምር ግድን ስለ ዝኾነ።

ኤርትራውያን ተቓልስቲ ናብ ሓርነት ንምብጻሕ ዘለና ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ዝገብሩና ድማ ኤርትራዊ ልኡላውነትና፡ ህግደፍ ክውገድ ዘለና እምነትን ንመጻኢ ራህዋ ህዝብና ዘለና ተስፋን ትጽቢትን ከኣ ካብቶም ብዙሓት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነናይ ገዛእ ርእስና፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ወሲኽካ መለለይታትን ስምዒታት’ውን ኣለዉና። እዞም መለለይና ስምዒታት ደረት ሰጊሮም ልዕሊ እቶም ከም ኤርትራዊ ናይ ሓርነት ሓይሊ ሓደ ዝገብሩና ከይስርዑ እሞ መንገድና ከየስሕቱና ብግቡእ ከነመሓድሮም ይግበና። ካብቲ ክንዋሰኣሉ ዘለና ሰፊሕ ናይ ሓባር ዓውዲ  ከየውጽኡና እሞ ዓቕምና ከይብተን ከኣ ምስትውዓል የድልየና።

እዞም ብግቡእ እንተዘይተመሓዲሮም፡ ሓድነትና ኣዳኺሞም ኣንጻር ወጽዓ ተኣማሚና ከይንወፍር ከዕንቅፉና ዝኽእሉ ስምዒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክፈታተኑና ዝጸንሑን ጋና ክሳብ ሎሚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይሰዓርናዮምን እዮም። ጸላእትና እውን ከዳኽሙና ካብ ዝኽእልሉ  መንገድታት ሓደ ሕድሕድና ዘሪጎም ዘይምትእምማን ምፍጣር ምዃኑ ብምእማን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ክሰርሕሎም ፈቲኖም ግና ሳላ ጽንዓትና ኣይተዓወቱን።

እንተኾነ ሎሚ እውን ህግደፍ ንፍልልያትና መዝሚዙ ካብ ምስዋር ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀደም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ከይተረፈ ስዒርናዮም ኔርና ካብ እንብሎም ሓደ ዝኾነ ኣውራጃዊ ስምዒትን ምውጣጥን ኣብ ውሱን ኩርናዕ ኣጀንዳ ኮይኑ ከዛርብ ንዕዘቦ ኣለና። ሃይማኖት ብግዲኡ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ኣጀንዳ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ከም ዝንነበረን ጋና ሎሚ’ውን ኣሰራቱ ውልዕ ጥፍእ ክብል እንዕዘቦ ዘለና  እዩ።  እቲ ኩነታት ብፍላይ፡ ኣብቲ ብዕድመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣተሓሳስባ በሊጹ ካብ ጸቢብ ስምዒታት ነጺሁ ሓቛፊ ስምዒት ብምፍጣር ሓቀኛ ተረካቢ ሕድሪ ሓርበኛታቱ ክኸውን እንጽበዮ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቢብ ስምዒታት ምንጽብራቑ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንስጉም ንድሕሪት ንምለስ ከም ዘለና ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ግዜን ዕድልን ክወሃቦ ዘይግባእን እዩ።

እዚ ንድሕሪት ከይመልሰና እሞ ሓድነትና ላሕሊሑ መፍቶ ህግደፍ ኣዕንገልቱን ከይንኸውን ዝፍትነና ዘሎ ስምዒት ብውልቀሰባት ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ ተባሂሉ እምብዛ ኣየሰክፈናን ይኸውን። እንተኾነ ብዓንተቦ ከካብ ውልቅና ጀሚርና ክሳብቲ ንቃለሰሉ ዘለና ውዳበታት ተቐላጢፍና እንተዘይወጊናዮ ናብ ውዱብ ኣፍራሲ ደረጃ ዘይሰግረሉ ምኽንያት የለን። እዚ ጉዳይዚ ዘየሻቕሎ ናይ ለውጢ ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ብኽንድቲ ንሻቐሎ ደረጃዶ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ካለኦት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍና እውን ከም ዘሎ ተረዲእና ንሓስበሉን ንንቀሳቐሰሉን ኣለና ዝብል ዘተሓሳስብ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ “ንገዛእ ርእስኻ ከይዓረኻ፡ ኣይተዕርን ኢኻ” እንብል ዘለና።

ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ዘለና  ቃልሲ ናይ ሓባር መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ነዊሕ ግዜ ባህግና እዩ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ካብ ምንቅስቓስ እውን ዓዲ ኣይወዓልናን። ዘመዝገብናዮ ዓወት ግና ትሕቲ ባህግና እዩ። እቲ ብምሉእ ዓቕምና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ምኽንያት ካባና ወጻኢ ምስ ካለኦት ዝህሉ ጥራይ ኣይመስለናን። ስለዚ ነቲ ዕንቅፋት ንምጽራግ ኣብ ኢድና ብዘሎ ዓቕሚ ብዘይምጥቃምና ኢና ንፍተንን ንጽገምን ዘለና። ምስዚ ግና ንሕና እንተደኣ ዕድል ሂብናዮ፡ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ እውን ከምዘይንቀራረብ ካብ ምግባርና ዓዲ ኣይውዕል እዩ። ዕምቆት ናይቲ ኣጻርና  ዝፍሕሶ ተንኮላት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንርዳእ ግና፡ ንሕና ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ፡ ብደረጃ ውልቂ ኮነ ብደረጃ  ውዳበታትን ማሕበራትን ኩሉ ክንዓሞ ዝግበኣና ምስ ዓመምና እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ባዕልና ከነዕርዮ ዝግበና ከየዕረና፡ ኣጻብዕትና ናብ ህግደፍን ካልኦትን ምቕሳር ጥራይ ፍታሕ ዘምጸኣልና ኣይኮነን። ናይቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ቃልስና በቲ ንብህጎ ኣቕጣጫን ቅልጣፈን ዘይምስጓሙ፡ ጠንቅታቱ ብዙሓት ከም ዝኾኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ግብራዊ ምንቅስቓስና ማዕረቲ ንብህጎን ንጭርሖን ዘይምዃኑ ግና ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ እዩ።

ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን  ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር

ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግራሽን  ስዊዘርላንድ ክርስቲን ሽችራንነር ቡርገንነር ፡ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ናብ ሓንቲ ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣራኻቢ ኦፊሰር ከም እትመዝዝ፡ “ሶንታግስ-ብሊክ/SonntagsBlick.” ምስ እተኣህለት ናይታ ሃገር ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ሓቢራ። ንሳ ከም ዝገለጸቶ ምስ ኤርትራ ብዛዓ ዝኾአ ዛዕባ ንምዝርራብ፡ ዜጋታታ ንክትቅበል ቅርብቲ ምዃና ቅድመ ኩንነት እዩ።

 እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ኤርትራ ዜጋታታ ካብ ዝኾነት ሃገር ንምቕባል ብተደጋጋሚ ክትሕሰም ዝጸነሓት ሃገር ምዃና ጠቒሳ፡ ስዊዘርላንድ ድማ ሓንቲ ካብተን ንነዊሕ ግዜ ምስ ኤርትራ ዛዕባ ምምላስ ስደተኛታት ክዘራረባ ዝጸንሓ ሃገራት ምዃና ኣብቲ ቃለ-መጠይቓ ሓቢራ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ስዊዘርላን 260 ናይ ቕዑባ ሕቶኦም ስለ ዝተነጽገ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበኦም ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ጠቒሳ፡።

እታ ጸሓፊት ኣተሓሒዛ እቲ ዝምደብ ስዊዘርላንንዳዊ ኦፊሰር ቦታኡ ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ከም ዝኸውንን ከም ስሩዕ መራኺቢ ምስ ኤርትራ ኮይኑ ከም ዝሰርሕን ኣፍሊጣ። ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ሃገር ንምስግጋር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ነቲ ስዊዘርላን ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ሒዛቶ ዘላ መስርሕ ከምዘይቅይሮ ጠቒሳ።

ዋላኳ ፓርላማ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራውያ ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወሲኑ እንተነበረ፡ ዙሓት ኣባላት ናይቲ ፓርላማ ግና ቅድሚ ኣብኡ ምብጻሕ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ከም ዝቕበሎም ንምግባር ዝካየድ ተጽዕኖ ክቕጽል ይግበኦ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎም እታ ጸሓፊት ጉዳይ ኢሚግረሽን ኣፍሊጣ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ስደተኛታት ብ3ይ ኣካል ኣቢልካ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ውሳነ ብሓሻ ብኹሉ ሸነኻቱ፡ ብፍላይ ከኣ ብመጽር ሰብኣዊ መሰል ይጽናዕ ከም ዘሎ ተፈሊጣ።

ቀዳም 22 ሰነ 2024 መብዛሕትአን ኣባላት ዝተሳተፈኦ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ጉባኤ ብኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮን ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ተኸፊቱ’’ ሓፍቲ ኣድያም ነቲ ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ማለት 14 ሕዳር 2020 ክሳብ ሕጂ ክሰርሕ ዝጸንሐ መሪሕነት ድሕሪ ምምስጋን ንብድሕሪ ሕጂ’ውን እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ዝሓየለን ዝበለጸን ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ መድረኽ ንዝጸንሐ መሪሕነት ኣረኪባ።

ቀጺሉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኩሮ ተመርኲሱ ኣድላዪ ዝተባህለ ምምሕያሽ ድሕሪ ምግባር ቅዋም ምትእስሳር ኣጽዲቑ።

ስዒቡ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝተመዝገበ ዓወታትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ብዝርዝር ጉባኤ ተመያይጡ ብምሉእ ድምጺን ዕግበትን ኣጽዲቑዎ። ብድሕሪ’ዚ ክሳብ ዝመጽእ ጉባኤ ንእርባዕተ ዓመታት ትመርሕ ብሰለስተ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕቲን ዝቖመት መሪሕነት መሪጹ። ሓላፍነታት መሪሕነት ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፡

  1. ኣደ መንበር
  2. ዋና ጸሓፊት
  3. ተሓዚት ገንዘብ
  4. ተጠባባቒት
  5. ተጠባባቒት

ጉባኤ ንዝነበረ መሪሕነት ኣመስጊኑ ንሓዲሽ መሪሕነት ድማ ምሉእ ደገፍ ክበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብዘይካ’ዚ ሰልፍና ኣብ ሃገርና ፍትሒን ሰላምን ንምንጋስ ሓይልታት ተቓዉሞ ተጠርኒፉ ናይ ሓባር ጽላል ክተክል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ሰልፍና ዝጻወቱ ዘሎ ተራ ኣሞጒሱ። ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ኰይና እተበርክቶ ዘላ ኣወንታዊ ግደ ድማ ንኢዱ።

ኣብ መደምደምታ መትከላትን ዕላማታትን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ንምዕዋት ሕኑን ቓልስን ጽዓትን ከካይድ ምዃኑ ብምንጻር ጉባኤ ተደምዲሙ።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ

ሰነ 22 2024

ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይልን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ውግእ  ህጹጽ ኣኼባ ንክካየድ ወሲኑ። 

እቲ ባይቶ ነቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ሓምለ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝወሰኖ ኣኼባ ኣብ ምድላው፡ ላዕለዋይ ኣዛታይ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ኢጋድን ኣብ ምስንድኡ ዓብይ ግደ ንክህልዎም ጸዊዑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒኢ ሓምለ 2024 ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ግብጺ ኣኼባ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተበግሶ ባይቶ ሰላምንን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ።

እዚ ዞባዊ ትካል ኩሎም ሱዳናውያ ተዋሳእቲ፡ ነዚ ሓድሽ ብዘተ ኣቢልካ ናብ ቀጻሊ ሰላምን ምምስራት ሕገመግስታዊ መንግስትን ከብጽሕ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ እማመ ክሳተፍዎ ጸዊዑ።

እቲ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝምልከት ከም ዘስፈሮ፡ ብዘይወዓል ሕደር ተኹሲ ጠጠው ኢሉ፡ ናይ ህዝቢ ሱዳን ስቓይ ዝውገደሉ ኩንነታት ንክፍጠር ከም ዝጸወዐ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባኡ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲዚ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናውያን ተቐናቐንቲ ኣካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቐርበሉ ኩነታት ክፈጥሩን ንሰራሕተኛታት ረዲአት ናይ ድሕንነት ውሕስነት ክህቡን ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ሰላም ንሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝሕልው ፍሉይ ሓይሊ ንከስፍር ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

Page 3 of 564