ባህግና Bahgna 191፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ዞናናን ምስ ዝመላላእ ምዕራፋት ቃልሲ ዘርእቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰልፊ 04.02.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ሕብረት ዝተበተነ ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ ዝእክብ ወሳኒ ናይ ዓወት መንገዲ እዩ። ኣድላይነት ሕብረት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ዝሰርሕ እዩ። ወለድና “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ወይ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝበልዎ ከኣ፡ ነዚ ዘንጸባርቕ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ሓድነት ኮነ ሓቢርካ ምስራሕ ብቓልሲ ዝረጋገጽ እምበር፡ ብጥራዩ ወይ ብተፈጥሮ ዝወሃብ ኣይኮነን። ንምውሓሱ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ቀንዲ ትግባራት እዮም።
ሓድነት ዓሚቕ ትርጉምን ትሕዝቶን ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ ፍልልይ ኣይሃሉ ማለት ዘይኮነ፡ ንፍልልያት ንኹልኻ ብዘርብሕ መስርሕ “እንካን ሃባን” ተኣማሚንካ ምምሕዳሩ እዩ። ሓድነት ሓንሳብ ምስ ኣረጋጊጽካዮ ኣኺልዎ ኢልካ እተራጥጠሉ ዘይኮነ፡ መምስ ዝገሃድ ሓድሽ ተርእዮታት ዝምዕብልን ቀጻሊ ሓለዋን ምሕዳስን ዘድልዮን እዩ። ዋጋ ዘኽፍል እው እዩ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ግና እምብዛ ከቢድን ዘይከኣልን ዘይኮነ፡ ንምክእኣልን ምጽውዋርን እኹል ዕድል ሂብካ፡ ንጸቢብነትን ስሰዐን ኣወጊድካ ብቐሊሉ ዝረጋገጽ ወሳኒ መሳርሒ እዩ።
ሓድነትን ሕብረትን ኩኩ ዘዝደለኻዮ ክትረክብን ዝበልካዮ ምሉእ ብምሉእ ክስምዓልካን ብምብሃግ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ብዙሓት ርኢቶን ድሌትን ዝወዳደረሉ ሜዳ፡ ከምቲ ናትካ ሰዓሪ ክኾነልካ እትብህጎ፡ ከለኦት ሰብ ዝተፈልየ ድሌትን ባህግን ከም ዝወዳደሩኻ ኣብ ግምት ምእታው ግድን እዩ። ስለዚ ኣብቲ ሜዳ መወዳድርትኻ’ውን ብጽሒት ከም ዝህልዎ ተገንዚብካ ንናይ ርኢቶ ፍልልያት ዕድል ምሃብ ግድን እዩ። ምእንቲ ሓድነት ምቅላስ ቀሊል ዘይከውን ከኣ ፍልልያት ንምቅርራብ ዝግበር ቃልሲ ፍሉይ ውሕልነትን ተወፋይነትን ስለ ዝሓትት እዩ።
ምስቲ ናትካ ዝጻረር ሓሳብ ክንጸባረቕ እንከሎ፡ ምስምዑን መተካእታ ዝበልካዮ ምቕራብን እምበር ተቐዳዲምካ ምኹናኑ ሃናጺ ኣይኮነን። እቲ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘንጸባርቕ ወገን ካበየናይ ኩርናዕ ከም ዝነቐለ ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ዕጉስ ኣስተብህሎ ነቒልካ ተመሊስካ ነቲ ንስኻ ርኢቶ ንምምዕባል ዝነቐልካሉ ኩርናዕ’ውን ዳግማይ ዳህሳስ ምግባር የድሊ። እቲ ፍልልይ ዝፈጠረ ጠንቂ ኣባኻ ክህሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ግምት ምእታው ከኣ ልቦና እዩ። በዚ መስርሕ ምክእኣልን ምጽውዋርን ከኣ እንተኾነ ፍልልያት ዘወግድ፡ ብውሕዱ ከኣ ነቲ ርሕቀት ዘጻብብ መዋጸኦ ምርካብ የኽእል።
እዚ ከተዘንትዎ እንከለኻ ቀሊል ዝመስል፡ ብግብሪ ግና ክሳብ ሎሚ ዋጋ ዘኽፈለናን ግዜ ዝወስደልናን ዘሎ ምውሓስ ሓቢርካ ምቅላስ፡ መንቀሊኡ ናይ ረብሓን ኣተሓሳስባን ተጻራርነት እዩ። እቲ ረብሓ ብነገራዊ ጸጋ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ፡ ናይ እምነት ……ወዘተ ዝኣመሰሉ ፍልልያት እውን ነናቶም ናይ ምርሕሓቕ ብጽሒት ኣለዎም። ኣብዚ መዳያት “ኣነ ክጥቀምን ናተይ ሓሳብ እዩ ብሉጽ ምባልን” በይኑ ዕንቅፋት ሓድነት ኣይከውንን እዩ። እቲ ዕንቅፋት ዝኸውን ካብ ናትካ ንዝተፈልየ ናይ ካለኦት ድሌትን ኣተሓሳስባን ንዘለዎም ወገናት ኣብ ክንዲ ምኽባር፡ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ብዝብል ዕዉር ትዕቢት፡ ኣብ ክንዲ ኩልኻ እትርበሓሉ፡ ናይ“ሰዓራይ-ሰዓራይ”፡ ናይ “ሰዓራይ- ተሰዓራይ” ወይ ናይ “ተሰዓራይ ተሰዓራይ” መንገዲ ምምራጽ እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ንምውጻእ እምበኣር፡ ንምጽውዋርን ምክእኣልን ግቡእ ቦታ ምሃብን ሓቛፊ ሓሳብ ክትቅበል ድልዊ ምዃን ኣድላይ እዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ብፍላይ መልክዑን መልእኽቱን ብዘየገድስ ኣብ ውዱብ መስርዕ ቃልሲ ምስተጸመድካ፡ ኣቐዲምካ ብዝረዓምካዮም ዲሞክራስያዊ ኣዕኑድን ትካላዊ ኣሰራርሓን ምእዙዝ ምዃን እውን ድልዱል ዕርዲ መሕለዊ ሓድነት እዩ።
ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ኤርትራውያ ካብ ዘየዕወትናዮም ሓደ፡ ዘተኣማምን ሓድነት ክንስርት ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ ዘይምዕዋትና ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከይነረጋገጽኳ እንተዘይዓገተና፡ ኣብ ካለኦት መዳያት ንከይንዕወት ዘዕንቅፈና ዘሎ እዩ። “ሓድነት ሓይሊ እዩ” እናጨራሕና፡ ከነዕውቶ ዘይምብቃዕና ጉዕዞ ሓድነት ዘይድፋእ እምባ ኮይኑና ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢድና እናሃለወ ዘየዕወትናዮ ሓድነት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ ክንከፍል ምጽናሕናን ጋና ካብቲ ዕዳ ዘምውጻእናን ከኣ ዝሓለፈ ታሪኽና ኮነ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ነዚ ኩነታትና ከም መድሃኒትካ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ብዘይምጥቃምካ ብሕማም ምስቓይ ገይሮም ዝምስልዎ ወገናት ከኣ ሓቂ ኣለዎም።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ ወለዶታት ክመላልኡ እንከለዉ፡ ተረካቢ ሕድሪ ካብቲ ዝተረከቦ ነቲ ዝጐደለ ናይ ምምላእን ነቲ ኣውንታ ዝያዳ ናይ ምርጓዱን ሓላፍነት ኣለዎ። ብመንጽርዚ ሎሚ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ በቲ ሓድሽ ኣተሓሳባኡን ውዑይ ጉልበቱን ክቓንዮምን ግቡእ መስርዕ ከትሕዞምን ካብ ዝግበኦ ምድልዳል ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ መንእሰይ ብመንጽር ምድልዳል ሓድነት፡ ካብቲ ቀዳማይ ወለዶ ዘይፍለ ምናልባት’ውን ዝሓመቐ እንተኮይኑ፡ ንእስነቱ ናይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ፈጣርነት ዘይኮነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ዕድመ ፍልልይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። መንእሰይ ካብዚ ተሓታትነት ንክድሕን ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ዝተሰነየ ምጽውዋርን ትዕግስትን ክዕጠቕ ይግበኦ። ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታትን መንነትን ካብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ፈልዩ ብምርዳእ ከተግብር ክተብዕ ይግበኦ።
ሓድነት ቅድም ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝወፍሩ እዩ ዝህነጽ። ምስ ነብሱ ተላዚቡ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሓድነት፡ ኣተገባብርኡን ሓለውኡን፡ ከምኡ እውን ንምጽውዋርን ምትእምማንን ዝምልከት ብሱልን ተባዕን ተረድኦ ዘየማዕበለ ኣካል፡ ኣብ ዝኾነ ውዳበ ይሰለፍ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። ምናልባት እውን ክሃንጽ ትጽቢት እናተገብረሉ ዓንቃፊ ናይ ምዃኑ ዕድሉ ክፉት እዩ።
ስለዚ ኣብ ዝኾነ ጸረ ህግደፍ ናይ ለውጢ ውዳበ ዘለኻ መንእሰይ ኤርትራ፡ ደው ኢልካ ኣስተውዕልን ምስ ሕልናኻ ተላዘብን። ብምጽውዋር ክፍታሕ ብዝኽእል ፍልልያት ተስፋ ብምቑራጽ ዘይኮነ፡ ብምስትውዓልን ኣስተብህሎን ተስፋ ሰኒቕካ፡ ካብ ዘጋጥም ብኩራት እሂምሂን መዋጸኦ መንገዲ ክትረክብ ብምሉእ ዓቕምኻ ክትስጉም መድረኽ ይጽወዓካ’ሎ። ሕብረት ኣብ ዘየብሉ ዓወት ከምዘየለ ከኣ ርሑቕ ከይከድካ፡ ካብቲ ክትደግሞ ዝይግበኣክ፡ ከፋፋሊ ተግባራት ህግደፍ ክትሙከር መድረኽ ይጠልበካ’ሎ።
ዜና ዕረፍቲ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ብመሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድመኡ ዝዓረፈ ኣቶ ተስፋልደት፡ ድምጺ ኤርትራውያን ንምዃን መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዝመስረተን ዘመሓደረን ብዙሓት ብዛዕባ ሃገሮም ክጽሕፉን ክዛረቡ ኣፍደገ ዝኸፈተን፡ ከምኡ እውን ህላወ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ምስፋሕ ግደኡ ዘበርከተ ናይ ሓርነት ተቓላሳይ እዩ ነይሩ።
ብዙሓት ድሕሪ ሞቱ ሓዘኖም ክገልጹ እንከለዉ ዝሃብዎ ምስክርነትን ንሕና’ውን እነረጋግጾን፡ ኣቶ ተስፋልደት ካለኦት ኣሰሩ ንክስዕቡ ብዘተፈላለዩ መንገድታት ዝሓገዘን ዘተባብዐን፡ ኣብ ጉዳይ ምሕላው ሰብኣዊ መሰልን ስደተኛታትን ኣዕዚዙ ዝግደስን ኣርሒቑ ዝጥምትን ለጋስን ሕያዋይን ብምንባሩ ይዝከር።
እንተኾነ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ እዩ እሞ፡ ንዓኡ መንግስተሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱን ፈተውቱን ድማ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽና ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም ንብል።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
4 ጥሪ 2024
ፓርላማ ኢትዮጵያ ብ2 ለካቲት 2024 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ርክብ፡ ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክትግበር ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት እንደጋና ን4 ኣዋርሕ ንኽቕጽል ከም ዝወሰነ ተፈሊጡ። ዕድመ ናይቲ ኣተገባብራ ኣዋጅ ዝከታተል 7 ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚተ እውን ብተመሳሳሊ ክቕጽል እቲ ኣኼባ ወሲሙ። እዚ ኣዋጅ ዝተናወሕ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራን ውግእ ኣብ ዝቐጸለሉ እዩ።
እቲ ፓርላማ፡ ብሚኒስተር ፍትሒ ኣብ ዝቐረበሉ ንድፊ ድሕሪ ምምይያጥ ብዝሃቦ ድምጺ ናይ ኣብዝሓ ደገፍ ምርካቡ ምዃኑ ካብቲ ፓርላማ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቲ ፓርላማ ነዚ ኣዋጅ ዘናወሓሉ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ይካየድ ካብ ዘሎ ውግእ ወጺእካ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምውሓስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝተናውሐ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት፡ ኣብ 18 ነሃሰ 2023 ጸጥታዊ ኩነታት ክልል ኣምሓራ ኣጸጋሚ ምስ ኮነ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ንክጸንሕ በቲ ፓርላማ ዝተወሰነ ነይሩ። ናይቲ ክልል ጸጥታ ናብ ዘስግእ ደረጃ ዝበጸሓሉ ምኽንያት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ምክያድ ዳግመ-ውደባ” ብዝብል ዕጥቂ ናይቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተሳተፉ ፋኖ ንምፍታሕ ብዝገበሮም ምንቅስቓስን ዘጋጠሞ ተቓውሞን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ይካየድ ብዘሎ ቀጻሊ ውግእ ህላወ መንግስቲ ብልጽግና ተዳኺሙ፡ ሓያሎ ከባብታት ኣብ ኢድ እቶም መንግስቲ “ጸበብቲ ኣምሓራ” ዝብሎም ፋኖ ኣትዩ ኣሎ። ብሰንክቲ ውግእ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ዝእሰርሉ፡ ህይወት ብዙሓት ሲቪል ሰባት ዝጠፈኣሉን ትሕተ ቅርጻ ዝዓነወሉን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ።
ናይዞም ብምስጢር ብኤርትራ ሓገዝ ይግበረሎም’ዩ ዝበሃሉ ፋኖ ዕላማ ኣብ መጻኢት ኢትዮጵያ ዘይንጹር ኮይኑ፡ ናይ ኣወዳድባ ጸገማት ከም ዘለዎም’ውን ብዙሓት ንኩነታቶም ብቐረባ ዝከታተሉ ፖለቲከኛታት ዝገልጽዎ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2024፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ኒውዜላንድን፡ ዝርከቡ ተወላዲ ዓፋር መበል 25 ዓመት ምምስራት ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) ከም ዘኽበሩ ብፌስቡክ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።
እቲ መግለጺ ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ዝተፈጸመ ጭቆና ይገድድ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ዓፋር ምስ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጭቆና ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከሕይል ከም ዝጸውዑ እቲ ብ28 ጥሪ 2024 ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ጠቒሱ።
መግለጺኦም ህዝብና ካብ ጭቆና ክሳብ ዝናገፍ ቃልስና ክንቅጽል ኢና ኢሉ፡ ሕብረሰተሰብ ዓለም ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ህዝቢ ዓፋር ናይ ጸጋታቱ ተጠቃሚ ዝኾንሉ ኩነታት ንምፍጣር ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ንጽውዕ ኢሉ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ ክሳብ ዝላቐቕ ሓቢሩ ንክቃለስ ኣዘኻኺሩ፡ ተሳተፍቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) በጺሕዎ ዘሎ ስምምዕ ከተግብሩ ድሉዋት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ካለኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ እው ቃልሶም ከሕይሉ ምጽወዖም ኣስፊሩ።
ከምኡ እውን ኣብቲ መግለጺኦም ጐባብቲ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንዘለዉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዓፋር ንክሕግዙን ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንክተሓባበሩን ጸዊዖም።
ኣብ መወዳእታ መግለጺኦም ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ መንእሰያት፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝኣባላታት ኣብ ቀጻሊ ንዝካየድ ሰፊሕ ኮንፈረንስ እተሰናድእ ኮሚተ ከም ዝመረጹ እቲ መግለጺ ሓቢሩ፡
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ 41 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ምክያድ፡ ብ31 ጥሪ 2024 ሰፊሕ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ፡ ብዘይካቶም ህሉዋት ኣባላቱ፡ ኣብ ሓላፍነት ዘይጸንሑ ነባራት ኣባላት መሪሕነትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ተሳተፍቲ ምንባሮም እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ውድባውን ከባብያውን ምዕባለታት ብሰፊሑ ከም ዝገምገመ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዓሚቕ ሚዛን ከም ዘንበረ ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ። በዚ መሰረት፡
- ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ንዘሎ ናይ ከባቢና ጂኦ-ፖለቲካዊ ምልውዋጥ ብመንጽር ኣብ ትግራይ ዘዕድሮ ጽልዋ መዚኑ።
- ዝጸንሖ ድኽመት ስትራተጂያዊ መሪሕነት ንዝተፈላለዩ ድኽመታትን ምክፍፋላት ኣቃሊዕዎ ከም ዝጸንሐ ተገንዚቡ፡ ካብዚ ንምውጻእ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ብምምዛን ናብ ጉባአ ዘብጸሖ ምትዕርራይ ኣካይዱ፡
- ኣብ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሙ፡ ብሰንኩ ድማ ዝተጐብጠ መሬት ትግራይ ከምዘይተመልሰ፡ ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረብቶም ከምዘይተመልሱን ጉዳይ ተሓታትነት ከምዘይተሰርሓሉን ኣስሚርሉ።
- ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ዝነበረ ምትሕውዋስ ክንጸርን ክልቲኦም ኣካላት ነናቶም ዝሰርሕሉ ኣገባብ ንክንጸር ተረዳዲኡ፡
- እናዓመቐ ዝኸይድ ምትዕርራይ ስትራተጅያዊ መሪሕነት ንምፍጣር ምትዕርራይ ኣካይዱ
- ናብ ቀጻሊ ጉባአ ዘብጽሑ ምድላዋት ብዓንተቦ ክዕመሙ ዘኽእል መደብ ኣውጺኡ
እቲ መግለጺ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘውጸአ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብሓባር ኣንጻር ጸላኢ ተቓሊስና ተዓዊትና። ደሓር ግና እቲ መስርሕ ተኾሊፉስ ክሳራውን ኣስዒቡልና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ ዘይበሃሎ በደል ተፈጺሙ። ስለዚ እቲ ጸረ ሰላም ተግባራት ከይቅጽልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ክወጽእን ቃልስኻ ቀጽል። ነቶም ኣብ ጸገም ህዝቢ ትግራይ ደገፍን ምትሕብባርን ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያ ከኣ ነመጉሶም” ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ።
ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት፡ ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልውላው ዝርከበሉ ዘሎ ግዜ፡ ንክንድዚ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ምጽንሑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ተቓውሞ ከጋጥሞ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
More...
ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ’ሎ ጥሜት ዝወጽእ ሓበሬታ ዝተፈላለየ ምዃኑ ማሕበራት ረዲአት ግቡእ ሓገዝ ከየቕርባ ዕንቅፋት ካብ ዝኾነን ምኽያታት ኮይኑ ከም ዘሎ፡ ትካል “ሓባስ ንብዓት ኢትዮጵያ” ብዘካየዶ መጽናዕቲ ክርዳእ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ። እዚ ተጸዋዕነቱ ናብ ፓርላማ ዝኾነ ሰብኣዊ ትካል፡ ብዛዕብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ዝወጽእ ዘሎ ኣሃዛት፡ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ 2.2 ሚልዮን ሰባት ብክልል ትግራይ ከኣ 4.2 ሚልዮን ሰባት ምዃኑ ነቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ንምርካ መጽናዕቲ ከካይድ ከም ዝደረኾ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ናብቲ ብክልል ትግራይ ዝቐረበ ዝተጸገዐ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ፈደራል መንግስቲ “ኣብ ትግራይ ናብ ሞት ዝበጸሐ ጥሜት የለን” ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸን ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ ካብተን ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልይወን ዘሎ 4ተ ዞባታት ንወረዳታት ኣበርግለን ዋጀራትን ከም ኣብነት ወሲዱ፡ ብሰንኪ ጥሜት ልዕሊ 15 ሺሕ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ 355 ሰባት ሞይቶም፡ 3, 728 ተመሃሮ ከኣ ትምህርቶም ከም ዘቋረጹ ኣረጋጊጹ።
ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣተሓሒዙ ብዘካየዶ መጽናዕቲ ኣሰፋፍራ ናይቶም ስደተኛታት ንገዛእ ርእሱ ረዲአት ብስሩዕ ንምቕራብ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፡ ዝምልከቶም ናይ ፈደራልን ክልልን ኣካላት ቅድሚ ነቶም ሓገዝ ከቕርቡ ዝግበኦም ዘይመንግስታዊ ትካላት ምውቃስ ዘድሊ ምትዕርራይ ምግባር ከም ዝግበኦም ኣተሓሳሲቡ።
ሓለፍቲ ምምሕዳር ትግራይ ኣቐዲሙ’ኳ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ምስቲ ብ1985 ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐተለ ዝንገረሉ ጥሜት ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ክገልጹ እንተጸንሑ፡ መንግስታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ግና ናብ ሞት ዘብጽሕ ጥሜት የለን ኢለን ክከራኸራ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ጥሜት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ሞት የስዕብ ከም ዘሎ’ውን ሓበሬታ ኣሎ።
ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፡ ኣብቲ 29 ጥሪ 2024 ኣብ ከተማ ሮም ዝተጋበአ ርክብ ኣፍሪቃን ኢጣልያን “ኣፍሪቃውያን ድኻታት ኣይኮናን” ከም ዝበሉ ካብ ሮይተርስ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ። እቶም ኮሚሽነር ከምዚ ዝበሉ፡ ኣብቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ ናይቲ ርክብ ዓላማ ዘፋለጣሉ መኽፈቲ ኣኼባ እዩ።
ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ ንተበግሶ ርክብ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ናይ ሓባር ረብሓን ድልዱል ዝምድናን ስለ ዝፈጥር ኣመስጊኖም፡ እንተኾነ ኣፍሪቃውያን ብዘይትግበሩ መብጸዓታት ኣይንሕጐስን ኢና ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ምዕሩይ መንገዲ ክሕዝ ከም ዝግበኦ ጠቒሶም፡ “ኣፍሪቃ ለምንቲ ኣይኮናን” ንእትብል ሓረግ ከኣ ደጋጊሞም ከም ዝጠቐስዋ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብወገነን ንዕላማቲ ርክብ ከፋልጣ እንከለዋ፡ “ኣብ መስርሕ ዝምድናና ምስ ኣፍሪቃ ሓድሽ ታሪኽ ክጸሓፍ ንደሊ ኣለና” ኢለን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብታን መንእሰይ ሓይሊ ሰባን ዝዘንገዐ፡ “ኣፍሪቃ ድኻ እያ” ዝብል ዝንቡዕ ታሪኽ ክንገር ጸኒሑ እዩ ኢለን።
ኣተሓሒዘን ከኣ ካብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ዝደተኛታት፡ ነቲ ጠንቁ ዝኸውን ዘሎ ኣብቲ ቦታ እንተዘይፈዊስናዮ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን ክብላ ገሊጸንኦ።
ኣብዚ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ ነቲ ምስ ኣፍሪቃ ክስራሕ ተታሒዙ ዘሎ ዝያዳ ናብ ጸዓትን ትምህርትን ዘተኩር ፕሮጀክት 5.5 ቢልዮን ዩሮ ተመዲብሉ ከም ዘሎ ዝገለጻሉ መድረኽ፡ ወከልቲ 45 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም። ካብቶም ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ኬንያን ይርከብዎም። ብዘካዚ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳ እውን ተሳቲፎም
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ቃልስና መሪርን ነዊሕ እዩ፡ ዓውትና ግና ናይ ግድን እዩ” ዝብል፡ ምስ ግዜ ካብ ዘይኣረጉ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎም ጭረሖታት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለን ኣንጻር ብዙሓት ጸላእቲ ዝመከተን ምዃኡ ድማ ታሪኽና ይምስክሮ። እዚ ነዊሕ ቃልሲ በቲ በብግዜኡ ዝርአ ምዕባለታት ዝተቓነየ ነይሩን ኣሎን። ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ፖለቲካዊ ውዳበታቱን እውን መሰረቶም ከይሰሓቱ ዝተፈላለዩ መልከዓት መኸተ ሒዞም ክጐዓዙ ዝጸንሑ እዮም።
ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ቃልሲ፡ በብመድረኹ ቀዳምነታት ነይረሞን ኣለዉዎን። ኣብ ሓደ መድረኽ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲቡ ብፖለቲካውን ሕጋውን ኣገባብ ናጽነቱ ከረጋግጽ ተቓሊሱ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብያ ገዛእትን ዘራያቶም ሰብ ረብሓን በቲ ዝተለሞ ዘይጐነጻዊ ምርጫ ኣይተዓወተን። ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣነ ከኣ ናብቲ ካልእ ምርጫ ዘይነበሮ በሊሕ ምዕራፍ ብረታዊ ሰውራ ክኣቱ ተገዲዱ። ኣብዚ ጐነጻዊ መድረኽ’ውን ተሳትፎን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ በመንጽርቲ ሽዑ ከቢብዎ ዝነበረ ኩነታት ክዕቀን እንከሎ ኣዝዩ ዝነኣድን ንካለኦት ኣብነት ዝኾነን ነይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ኣብቲ መተካእታ ምስ ሰኣነ ዝኣተዎ ሰውራ ህይወትን ንዋትን ኮነ ግዜ ከይበቐቐ ዝኸፈሎ ንኡድ ሓርበኛዊ ኣበርክቶ ተዓዊቱ። እቲ ብረታዊ ሰውራ መመላእታ ናይቲ ቅድሚኡ ኣብ ዝተራእየ ተሳትፎ ዝተቐስመ ተመኩሮ እምበር፡ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረን በይኑ ዝተንጠልጠለን ኣይነበረን። ብዙሓት ካብቶም መስረቲ ናይቲ ቃልሲ’ውን ናይ ክልተ ምዕራፋት ጀጋኑ እምበር ሓደስቲ ኣይነበሩን። ብሳላዚ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዘይተፈልዮ ምዕራፍ ቃልሲ ድማ ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ብውሳነ ህዝባ ከኣ ኣብ ድልዱል ልኡላዊ ሕጋዊ ባይታ ተሰሪታ። ክሳብ ሎሚ’ኳ ክነቓንቕዎ ዝደናደኑ ዘይቀበጹ ወገናት እንተለዉ እቲ ሽኻል ልኡላውነትና ኣዝዩ ጽኑዕ እዩ። ምስዚ ግና ቀጻልነታ ንምዕቃብ ሓለዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፍለያ እዩ። ናይዚ ሎሚ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ሓርነታዊ ቃልሲ መሰረት ከኣ ንሱ እቲ ኣዕሚቑ ዝተተኽለ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ። በዚ ኢና ከኣ ቃልሲ ንሓርነት መቐጸልታን መመላእታን ናይቲ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እዩ እንብል።
ከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ “ድሕሪ ናጽነት’ውን ግድል ኣሎ፡ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝብል ዜማ ዝዝመር ዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ከም ዝህሉ ኣብ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ግንዛበ ነይሩ እዩ። እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ፡ ኤርትራውያን ብሓባር “በሰላ ውግእ ዘሕውይሉ፡ ዝፈረሰ ዝሃንጽሉ፡ ዝተሰደደ ዜጋ ናብ ዓዱ ዝምልስሉ፡ ብመግዛእቲ ዝተነፍገ መሰላት ዝምልስሉ፡ ኤርትራዊ ንብዓቱ ዝሕበሰሉ፡ ኣብ ገዛእ መሬቱ ኣደልዲሉ ዝረግጸሉን ዓው ኢሉ ዝዛርበሉን” ክኸውን ናይ መብዛሕትኡ እምንቶ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ቃልሲ ንሓርነት ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ንሕውየትን ሓርነትን ዝሓሊ፡ በቲ ካልእ ከኣ ሓደራ ህዝብን ስዉኣቱን ዝጠልምን ሜላን ቃናን ቀይሩ ህይወት ግዜ መግዛእቲ ዘቐጽል ኮይና ተሰሊፍና ኣለና። ናይዚ ተጻራሪ ኣሰላልፋ ጠንቂ ከኣ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ግንባሩን እዮም። በዚ ከኣ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይተጸበናዮን ዘይብሃጎን ክቡር ዋጋ ዘኽፍሎ ዘሎ ቃልሲ ኣትዩ። እዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት’ውን መመላእታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ ቃልሲ ኮይኑ፡ በቲ ናይ ሽዑ ተመኩሮን ውርሻን ዝስውድን ዝህብትምን እምበር፡ ኣብ ሎሚ ጥራይ ዘትከለ ኣይኮነን።
ጉዕዞ ቃልስና፡ ኣብቲ መስርሕ ነቲ ዝነብረሉ መድረኽ ብዝምጥኑ ስትራተጅን ሜላን እናተሰነየ፡ ዝቕጽለ እዩ። እቶም ተዋሳእቲ ከኣ ነቲ ዝነበርሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክመስሉ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ እዩ፡ ከኣ ነቶም ነባራት ኣብቲ ሎሚ ዘለኻዮ ምዕባለ ኮይንካ “ከምዚ ክገብሩ ነይርዎም” እናበልካ ምንቃፍን ንኣበርክተኦም ክብሪ ዘይምሃብን ቅኑዕ ዘይከውን። ንምዕባለታት ትማሊ፡ ሎምን መጻእን ኣገናዚብካ ኣገዳስነት መስርሕ ምምልላእ ምርዳእ ከኣ ናይ ግድን እዩ። ግና ድማ እቲ ምምልላእ ኣዝዩ ልሙጽ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድካ ዘበላልሕ ምውጣጥ ዘይፍለዮ ሓርጉጽጎጽ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
ከምቲ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ነይሕደር” ዝበሃል፡ ነዚ ኣብ ሕድሕድካ ተመኩሮ ዘቕስም ናይ ወለዶታት ምውጣጥ እተመሕድሮ እምበር እትሃድመሉ መስርሕ ኣይኮነን። ኣብዚ ምስግጋር ግደ ኣውረስትን ወረስትን ዘይነጻጸልኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ግደ ናቲ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ ዓብይ ምዃኑ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ። ኩሉ ከምቲ ዝደለኻዮ ስለ ዘይኮነልካ ካብዚ ናይ ምርኽኻብ ሓርፋፍ መድረኽ ንክትሃድም፡ “ምቅላስ ከሊኦምና” ኢልካ ውዳበ ፈሊኻ ጀማሪ ምዃን መሰል’ኳ እንተኾነ፡ ምርባሕ ውዳበታት መፍትሒ ስለ ዘይከውን ዝተባባዕ ኣይኮነን።
ነቲ ዘዕንቀፈካ ብጸዋርን ውሕሉልን ቃልሲ ብምእላይ፡ ነቲ ነባር ተመኩሮ ምስቲ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣዋሲብካ ምስጋሩ እዩ እቲ ቁኑዕ ኣገባብ። ነቲ ምእንቲ ሓርነት ክትቃለስ እንከለኻ ጽኑዕ መንጠሪ መሰረት ዝኾነካ ባይታ ናጽነትን ልኡላውነትን ንዓኡ ዘውሓሱ ሓርበኛታትን ጓሲኻዮም ምኻድ፡ ምናልባት እውን ምጽላሞምን ምንእኣሶምን ግና ምምልላእ ዘይቅበል ኣብ ዝተቖራረጸ መስርሕን ተመኩሮን ዘኹድድ ኣገባብ ምምራጽ ቅቡል ኣይኮነን። እቶም ኣውረስቲ’ውን እሱራት ናይቲ ኣብ ግዜ ንእሰቶም ዝነበረ ተመኩሮ ከይኮኑ፡ ግደ ናይቲ ዘቐጽል ሓድሽ ወለዶ ምስዚ ዝነብረሉ ዘሎ ምዕባለ ክርድእሉ ይግብኦም።
ህግደፍ በዚ ናይ ነባርን ሓድሽን ምምልላእ ዝፍጠርን ኣጻሩ ዝስለፍን ናይ ለውጢ ዓቕሚ ስለ ዝሰግእ፡ ነቶም ኣብቲ መስርሕ ዝዋስኡ ነባራትን መንእሰያትን ክተፋነኑን ነናቶም ጫፋት ሒዞም ክጓተቱን ድሌቱ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ነባራትናን መንእሰያትናን፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንቃለስ ካብ ኮና፡ በቲ ህግደፍ ኣንጻርና ዝዝርገሖ መጻወዲያ ከይንተሓዝ እሞ ዕድሜኡ ነዊሑ ወጽዓ ህዝብና ከይናዋሕ ነስተውዕል።
Full Text: UN Panel of Experts Report on Sudan
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " Source: Sudan War Monitor Plus: Updates on political and military developments 23 JAN 2024 A report by a five-member panel of researchers appointed by the UN Security Council details conflict dynamics in Darfur and violations of a long-stand" Martin Plaut Read on blog or reader |
Full Text: UN Panel of Experts Report on Sudan
Source: Sudan War Monitor Plus: Updates on political and military developments23 JAN 2024
A report by a five-member panel of researchers appointed by the UN Security Council details conflict dynamics in Darfur and violations of a long-standing UN arms embargo, including by the United Arab Emirates. The report estimates the death toll of the ethnic cleansing in El Geneina last year at 10,000 to 15,000—substantially higher than previous estimates. This toll, if accurate, would exceed the Srebrenica massacre of 1995, which is remembered as the worst mass murder in Europe since World War II. The New York Times, Reuters, and Bloomberg first reported this and other findings of the UN Panel several days ago, but this is the first time that the report is published in full. The UN has not yet officially released the document. The UN Panel of Experts collected evidence of the El Geneina killings from over 120 victims and eyewitnesses, as well as documentary and photographic evidence already gathered by civil society organizations and UN agencies. The Panel concluded, “The attacks were planned, coordinated, and executed by the Rapid Support Forces (RSF) and their allied Arab militias.” Like the Hutu against Tutsi massacres of 1994, these killings were carried out on an ethnic basis by the predominantly Arab RSF against the Masalit tribe. Recruitment and preparations for the massacres began before the outbreak of the civil war between the RSF and the Sudan Armed Forces (SAF), demonstrating the close connection between the RSF’s bid for national power and the more local battle for ethnic supremacy in Darfur. The UN report stated, “The largest mobilization (of Arab fighters) within El Geneina took place weeks before 15 April, when clashes in Khartoum commenced, and went on until 24 April (phase 1 of the conflict in El Geneina). These militias were assembled in various areas in El Geneina and surrounding areas… RSF established local headquarters in neighborhoods that served as operations centers.” “In addition, allied militias established their own operational centres which were frequently visited by RSF officers for coordination purposes.” These details add to the growing body of evidence implicating the RSF directly in this mass atrocity, including Sirba, Mornei, and Masterei. Despite the ethnic nature of the killings, the report stressed, “It is important to note that not all members of the Arab communities were involved in the violence, and that many actively protected the Masalit people. Masalit individuals found refuge in the homes of their Arab neighbors, who assisted them in escaping to Adré, Chad.”
UN Panel of Experts Report on Sudan S/2023/93 18.6MB ∙ PDF file Download Pursuant to Security Council Resolution 2676 (2023) UAE supplied weapons to the perpetratorsCiting sources among armed groups and tribal leaders in eastern Chad and Darfur, the UN Panel corroborated earlier reports that the United Arab Emirates (UAE) provided weapons to the Rapid Support Forces. The oil-rich Gulf Arab nation had a relationship with the RSF since before the current war, having employed its members as mercenaries in Yemen. Flights trackers documented the cargo flights from the UAE to the eastern Chadian town of Amdjaras. From there, the local sources reported that weapons and ammunition were loaded on trucks and taken into Darfur in small convoys, where they were handed over to the RSF. “RSF transported the shipments to their base in Zuruk (Um Baru Locality, North Darfur). Some weapons were then distributed to RSF positions in Darfur, while most were transported from Zuruk to Khartoum through desert roads… Several RSF filed commanders, chosen for their knowledge of the border area and desert routes, oversaw the transportation of the weapons in to Darfur and Sudan... These large-scale and sustained supplies ranged from small and light weapons to UCAVs (drones), anti-aircraft missiles, mortars and various types of ammunition.” By engaging in these arms transfers, the UAE violated a UN Security Council arms embargo that was imposed nearly two decades ago, in 2004. The current panel of experts was mandated to monitor compliance with that ban. The five-member team, appointed two weeks before the outbreak of the current civil war, included members from Colombia, France, Russia, Sweden, and Kenya. The UAE’s Permanent Mission to the United Nations issued a letter of reply to the UN Panel, which was included as an annex to the report. The letter does not specifically deny supplying weapons to the RSF, though it affirms the UAE’s “continued commitment to comply with its obligations under the sanctions regime [arms embargo] established by the Security Council.” It also detailed humanitarian shipments that it sent to Amdjarass, including the tonnage of various supplies, and it invited hte Panel of Experts to visit a field hospital it built in the Chadian border town. Open-source researchers who specialize in flight tracking have doubted that so many flights would be needed for just building a field hospital. The UAE admitted to sending 122 flights to Amdjarass. The report also detailed supplies of weapons arriving to Sudan from Libya and the Central African Republic. Previous reporting has indicated that some supplies via Central Africa came from the Wagner mercenary group—though this was not mentioned in the report. Furthermore, the report detailed a fuel supply line established by the RSf through South Sudan. To learn more about Sudan’s civil war, sign up for our free newsletter.Subscribe European Union sanctions Sudanese businessesThe European Union has sanctioned six companies that it says are linked to the warring parties in Sudan. In a press release, the European Council stated, “Among the entities listed are two companies involved in the manufacture of weapons and vehicles for the SAF (Defense Industries System and SMT Engineering); the SAF-controlled Zadna International Company for Investment Limited and three companies involved in procuring military equipment for the RSF (Al Junaid Multi Activities Co Ltd, Tradive General Trading and GSK Advance Company Ltd). The entities listed are subject to asset freezes. The provision of funds or economic resources, directly or indirectly, to them or for their benefit is prohibited.” The United States and United Kingdom had already sanctioned some of these firms. In Brief· A landmine explosion on a bus near Shendi in River Nile State has claimed ten lives, and is believed to be the first deadlye landmine explsion of the war. · An atmosphere of paranoia has gripped Kassala State, amid fears of an “internal attack,” according to a state media report January 20. · A French nonprofit, Promediation, working with the French and Egyptian foreign ministries, has convened a workshop in Cairo with the participation of several different Darfur armed groups, aimeding to reduce tensions in the region. · Bank of Khartoum laid off 1,215 employees, representing 45% of its staff nationally, another step in an ongoing economic collapse. The bank has 125 branches, dozens of which were closed, including some that were looted. · The Sennar State government along with military and security authorities held a mass rally for “popular resistance” in Al-Suki Locality. As reported by the state news agency SUNA, the governor in his remarks praised hte purported role of the “popular resistance “ in repelling an RSF incursion in the Jebel Muya area. The deputy commander of the 17th Infantry Division and the police commander in the state also spoke at the rally, praising and encouraging the arming of civilians. · The Ad-Douiem garrison held a parade for 1,200 trainee soldiers January 21, SUNA reported, overseen by Col Hamad Barshom, commander of the brigade based in Ad-Douiem, and Lt Col Muhammad Suleiman, the reserve commander.Parade for cadets in Ad-Douiem, White Nile State · A fire broke out in the Dharaba mine, which is about 30 kilometers away from the Songo area in South Darfur. Field sources deny that it was bombed by aircraft, despite media reports talking about aerial bombardments that affected the area. · Former Darfur armed movements in El Fasher, which are neutral in the current war, participated in a workshop by Nonviolent Peaceforce yesterday to discuss compliance with international laws on protection of civilians. · 11 people were killed, including seven women and two children, in addition to one wounded, in an airstrike carried out by the Sudanese air force on the village of Ib Khubub west of the city of Mujlad in West Kordofan on Sunday. A local tribal leader, Omda Al-Jak Suleiman, told Radio Dabanga on Monday that an Antonov plane dropped 5 explosive barrels on the village. · RSF troop movements were observed yesterday nearby Mujlad, in the town of Babanusa, West Kordofan, amid escalating threats to attack the 22nd Infantry Division, according to our monitoring of unofficial RSF social media pages. Limited clashes were reported this morning in the city. |
|
|