ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ጥሜት ትግራይ መስኪሩ

2024-01-31 10:23:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 341 times

ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ’ሎ ጥሜት ዝወጽእ ሓበሬታ ዝተፈላለየ ምዃኑ ማሕበራት ረዲአት ግቡእ ሓገዝ ከየቕርባ ዕንቅፋት ካብ ዝኾነን ምኽያታት ኮይኑ ከም ዘሎ፡ ትካል “ሓባስ ንብዓት ኢትዮጵያ” ብዘካየዶ መጽናዕቲ ክርዳእ ከም ዝኸኣለ ኣፍሊጡ። እዚ ተጸዋዕነቱ ናብ ፓርላማ ዝኾነ ሰብኣዊ ትካል፡ ብዛዕብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ዝወጽእ ዘሎ ኣሃዛት፡ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ 2.2 ሚልዮን ሰባት ብክልል ትግራይ ከኣ 4.2 ሚልዮን ሰባት  ምዃኑ ነቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ንምርካ መጽናዕቲ ከካይድ ከም ዝደረኾ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ናብቲ ብክልል ትግራይ ዝቐረበ ዝተጸገዐ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ፈደራል መንግስቲ “ኣብ ትግራይ ናብ ሞት ዝበጸሐ ጥሜት የለን” ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ከም ዘረጋገጸን ሓቢሩ። ኣብ ትግራይ ካብተን ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልይወን ዘሎ 4ተ ዞባታት  ንወረዳታት ኣበርግለን ዋጀራትን ከም ኣብነት ወሲዱ፡ ብሰንኪ ጥሜት ልዕሊ 15 ሺሕ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ 355 ሰባት ሞይቶም፡ 3, 728 ተመሃሮ ከኣ ትምህርቶም ከም ዘቋረጹ ኣረጋጊጹ።

ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣተሓሒዙ ብዘካየዶ መጽናዕቲ ኣሰፋፍራ ናይቶም ስደተኛታት ንገዛእ ርእሱ ረዲአት ብስሩዕ ንምቕራብ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፡ ዝምልከቶም ናይ ፈደራልን ክልልን ኣካላት ቅድሚ ነቶም ሓገዝ ከቕርቡ ዝግበኦም ዘይመንግስታዊ ትካላት ምውቃስ ዘድሊ ምትዕርራይ ምግባር ከም ዝግበኦም ኣተሓሳሲቡ።

ሓለፍቲ ምምሕዳር ትግራይ ኣቐዲሙ’ኳ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ምስቲ ብ1985 ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐተለ ዝንገረሉ ጥሜት ተመሳሳልነት ከም ዘለዎ ክገልጹ እንተጸንሑ፡ መንግስታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ግና ናብ ሞት ዘብጽሕ ጥሜት የለን ኢለን ክከራኸራ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

ጥሜት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣብ ውግእ ዘለዋ  ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን  ሞት የስዕብ ከም ዘሎ’ውን ሓበሬታ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 31 January 2024 11:29