ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ኢጣልያን ኣፍሪቃን ምዕሩይ ክኸውን ጸዊዑ

2024-01-30 11:10:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 396 times

ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፡ ኣብቲ 29 ጥሪ 2024 ኣብ ከተማ ሮም ዝተጋበአ ርክብ  ኣፍሪቃን ኢጣልያን “ኣፍሪቃውያን ድኻታት ኣይኮናን” ከም ዝበሉ ካብ ሮይተርስ ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ። እቶም ኮሚሽነር ከምዚ ዝበሉ፡ ኣብቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ ናይቲ ርክብ ዓላማ ዘፋለጣሉ መኽፈቲ ኣኼባ እዩ።

ኮሚሽነር ሙሳ ፋቒ ንተበግሶ ርክብ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ናይ ሓባር ረብሓን ድልዱል ዝምድናን  ስለ ዝፈጥር ኣመስጊኖም፡ እንተኾነ ኣፍሪቃውያን ብዘይትግበሩ መብጸዓታት ኣይንሕጐስን ኢና ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ምዕሩይ መንገዲ ክሕዝ ከም ዝግበኦ ጠቒሶም፡ “ኣፍሪቃ ለምንቲ ኣይኮናን” ንእትብል ሓረግ ከኣ ደጋጊሞም ከም ዝጠቐስዋ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ብወገነን ንዕላማቲ ርክብ ከፋልጣ እንከለዋ፡ “ኣብ መስርሕ ዝምድናና ምስ ኣፍሪቃ ሓድሽ ታሪኽ ክጸሓፍ ንደሊ ኣለና” ኢለን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብታን መንእሰይ ሓይሊ ሰባን ዝዘንገዐ፡ “ኣፍሪቃ ድኻ እያ” ዝብል ዝንቡዕ ታሪኽ ክንገር ጸኒሑ እዩ ኢለን።

ኣተሓሒዘን ከኣ ካብ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ዝደተኛታት፡ ነቲ ጠንቁ ዝኸውን ዘሎ ኣብቲ ቦታ እንተዘይፈዊስናዮ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን ክብላ ገሊጸንኦ።

ኣብዚ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ፡ ነቲ ምስ ኣፍሪቃ ክስራሕ ተታሒዙ ዘሎ ዝያዳ ናብ ጸዓትን ትምህርትን ዘተኩር ፕሮጀክት 5.5 ቢልዮን ዩሮ ተመዲብሉ ከም ዘሎ ዝገለጻሉ መድረኽ፡ ወከልቲ 45 ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም። ካብቶም ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ኬንያን ይርከብዎም። ብዘካዚ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ  ሕብረት ኤውሮጳ እውን ተሳቲፎም

Last modified on Tuesday, 30 January 2024 12:15