ህወሓት፡ ድሕሪ ናይ 41 መዓልታት ኣኼባ መግለጺ ኣውጺኡ

2024-01-31 21:16:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 393 times

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ድሕሪ 41 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ምክያድ፡ ብ31 ጥሪ 2024 ሰፊሕ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ፡ ብዘይካቶም ህሉዋት ኣባላቱ፡ ኣብ ሓላፍነት ዘይጸንሑ ነባራት ኣባላት መሪሕነትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ተሳተፍቲ ምንባሮም እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ውድባውን ከባብያውን ምዕባለታት ብሰፊሑ ከም ዝገምገመ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዓሚቕ ሚዛን ከም ዘንበረ ኣብቲ መግለጺ ጠቒሱ። በዚ መሰረት፡

  • ኣብዚ እዋንዚ ይረአ ንዘሎ ናይ ከባቢና ጂኦ-ፖለቲካዊ ምልውዋጥ ብመንጽር ኣብ ትግራይ ዘዕድሮ ጽልዋ መዚኑ።
  • ዝጸንሖ ድኽመት ስትራተጂያዊ መሪሕነት ንዝተፈላለዩ ድኽመታትን ምክፍፋላት ኣቃሊዕዎ ከም ዝጸንሐ ተገንዚቡ፡ ካብዚ ንምውጻእ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ብምምዛን ናብ ጉባአ ዘብጸሖ ምትዕርራይ ኣካይዱ፡
  • ኣብ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሙ፡ ብሰንኩ ድማ ዝተጐብጠ መሬት ትግራይ ከምዘይተመልሰ፡ ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረብቶም ከምዘይተመልሱን ጉዳይ ተሓታትነት ከምዘይተሰርሓሉን ኣስሚርሉ።
  • ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ዝነበረ ምትሕውዋስ ክንጸርን ክልቲኦም ኣካላት ነናቶም ዝሰርሕሉ ኣገባብ ንክንጸር ተረዳዲኡ፡
  • እናዓመቐ ዝኸይድ ምትዕርራይ ስትራተጅያዊ መሪሕነት ንምፍጣር ምትዕርራይ ኣካይዱ
  • ናብ ቀጻሊ ጉባአ ዘብጽሑ ምድላዋት ብዓንተቦ ክዕመሙ ዘኽእል መደብ ኣውጺኡ

እቲ መግለጺ ናብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘውጸአ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብሓባር ኣንጻር ጸላኢ ተቓሊስና ተዓዊትና። ደሓር ግና እቲ መስርሕ ተኾሊፉስ ክሳራውን ኣስዒቡልና። ካብዚ ሓሊፉ  ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ ዘይበሃሎ በደል ተፈጺሙ። ስለዚ እቲ ጸረ ሰላም ተግባራት ከይቅጽልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝሓዞ መሬት ትግራይ ክወጽእን ቃልስኻ ቀጽል። ነቶም ኣብ ጸገም ህዝቢ ትግራይ ደገፍን ምትሕብባርን ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያ ከኣ ነመጉሶም” ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ።

ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት፡ ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ  ቅልውላው ዝርከበሉ ዘሎ ግዜ፡ ንክንድዚ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ምጽንሑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ተቓውሞ ከጋጥሞ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 31 January 2024 22:25