ባህግና Bahgna Media 22.06.2025: ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ፡ መግለጺ ሰዲህኤ
Written by Bahgna MediaMedia
ኤርትራ ብመስዋእቲ ጀጋኑኣን መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካብኡ ንታሕቲ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ “ብሳላኹም ልኡላዊትሃገር ወኒንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዓኻትኩም ይኹን፡ ብህግደፍ ንዝተጠለመሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ክንቃለስ ኢና”፡ ክንብሎም ግቡእ እዩ። ዝኽሪ ስዉኣት ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክትዝክሮ ከም ዝግበኣካ ምውሳን ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላን ዝምስገኑላን ዕለት ክህልዎም መን ወሲንዎ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ባሕቲ ታሕሳስ ዕለት ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብድብያ ምዑታት ተጋዳልቲ ተሓአ ብምቕንጻሉ፡ “ሕነኡ ንምፍዳይ”፡ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም ዓዶምን ንብረቶምን ነዲዱ ኣደዳ ስደት ዝኾኑላ ዕለት ስለ ዝኾነት።
መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኤርትራዊ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ኣብ መሳርዕ ቃልሲ ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንከትከውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገመንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታትሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን በሓቲ ኣካይዳ ህግደፍ፡ ከምቲ ካልእ መድረኽ እሂንምሂን ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ’ውን ብወግዒ ዝመጸት ኣይነበረትን።
20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና ምዝካራ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን ኣዝዩ ውሑድን ሓደ ሸነኻውን ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን።
መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተጠልመ ሕብሮም ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ቃል ዝእተወላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ባዕሉ ዝወሰና ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ በኹሪ መግለጺኡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ኢሉ ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ቃሎም ከይጥለም ሓደራ ዝበልዎን ዝተነጽገሉ መድረኽ’ዩ ነይሩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 34 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ የዋጽኣኒ ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን እግሩ መሊኡ ምርጋጽ ሓሪምዎን ተገዲዱ ናብ ዝተፈላለዩ ውግኣት እኛተጠብሰ፡ ብሹቕርርታ ይነብር ኣሎ።
ህግደፍ ሕድሮም ጠሊሙ ከብቅዕ፡ ብናቶም ክብሪ ንክሽቕጥ ዘይፍንቅሎ እምኒ የብሉን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም፡ ሃብቲ ንምኽዕትን ዕድመ ስልጣኑንምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቶም ቀንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ሰማእታት፡ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ “ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን” ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ዝብል ጭረሖ ብምቅላሕ ጥራይ፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣይክበርን’ዩ።
ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ዘቕስኖምብምስራሕ እዮም ዝቐሱ።
እቲ ንብጾቱ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ሓርበኛን ደሓር ዝተሰለፈን”፡ ናይ ሎሚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪን መሰል ንጹሃት ዝግህስን” እናተባህለ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ናቱ ክብሪ’ውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ መርኣያ ከኣ ሕድሪ ብጾቱ ምጥላሙ ምዃኡ ክርዳእ ይግበኦ። ሓደገኛ ተግባር ህግደፍ ቀጻሊ ስለዝኾነ፡ እቲ ጥልመት ጽባሕ ናብ ርእሱ ከምዝምለስ ምልክታቱ ብዙሕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ሎሚ’ውን ውግእ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ሕድሪ ሰማእታቱ ኣኽቢሩ ኣብጐኒ ህዝቡ ክስለፍ ንጽወዖ ኣለና።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
20 ሰነ 2025
ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ እስራኤልን ኢራንን ምልላይ ዘድለየ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተኸፍተ ኣዝዩ ኣዕናውን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝዓርግ ዘሎን ውግእ ይካየድ ብምህላዉ፡ ናይ ዓለምና ዝለዓለ ኣጀንዳ ኮይነን ስለ ዘለዋ እዩ።
እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ምብራቓዊ መወዳእታ ባሕሪ መደትራኒያን እትርከብ ብ14 ጉንበት 1948 ዝተመስረተትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ልኡላዊት ሃገር ዝተመዝገበትን እያ። ብሰሜን ምስ ሊባኖስ፡ ብሰሜናዊ ምብራቕ ምስ ሱርያ፡ ብምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ምስ ዮርዳኖስ፡ ብደቡባዊ ምዕራብ ምስ ግብጺ ብምዕራብ ድማ ምስ ባሕሪ ሜዲትራንያ እትዳወብ ሃገር እያ። እዚ ግን ንጉዳይ ፍልስጤም ዝዘንግዐ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።
ስፍሓታ 22,757 ትርብዒት ኪሎሜትር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ፡ 9.77 ሚልዮን ኣቢሉ ይኸውን። 6 ብቋንቋ ሂብረው መክሆዛት ዝበሃላ ምምሕዳራዊ ክፍለ ሃገራትን 15 ንኡሳን ክፍለ ሃገራት ድማ ኣለዋኣ።
ዋና ከተመኣ እየሩሳለም ኮይና፡ እንተኾነ ምስቲ ምስ ፍልስጥኤም ዘለዋ ናይ ነዊሕ ግዜ ምስሕሓብ፡ ተልኣቪቭ እያ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ እየሩሳለም 919 ሺሕ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ እቲ 350 ሺሕ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ናይታ ከተማ ዝነብር እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ተልኣቪቭ ድማ 452 ሺሕ ምዃኑ ይንገር። ቀዳማይ ቋንቋ እስራኤል ሂብሩ ክኸውን እንከሎ፡ ዓረብ እውን ብኻለኣይ ደረጃ ይዝረብ። ካብዚ ሓሊፉ ቋንቋ ሩሲያ ዝዛረቡ ዜጋታት ከም ዘለዉዋ’ውን ይንገር። ገንዘብ እስራኤል ሸከል ይበሃል። ዝዓበየት ወደብ ናይታ ሃገር ሃይፋ እያ።
ኢራን ኣብ ኤስያ እትርከብ፡ ኣብታ ክፍለ ዓለም ብስፍሓታ 6ይ ደረጃ እትሕዝ ሃገር ምዃና ዝንገረላ፡ ቅድሚ “ኢራን” ምባላ “ፐርሺያ” ትበሃል ዝነበረት፡ ብ26 ሰነ 1945 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ኣባል ዝተመዝግበት ጥንታዊት ሃገር እያ። ብሰሜን ምስ ኣዘርባጃን፡ ኣርመንያ፡ ቱርከሚስታንን ባሕሪ ካስፒያንን፡ ብምብራቕ ምስ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን፡ ብደቡብ ምስ ወሽመጥ ፐርሺያን ወሽመጥ ኦማንን፡ ብምዕራብ ድማ ብቱርክን ዒራቕን ትዳወብ። ካብቲ 7, 680 ሺሕ ኪሎሜትር ዝኸውን ወሰናስና እቲ ሓደ ሲሶ ማያዊ ምዃኑ ይሕበር።
ጠቕላላ ስፍሓት ኢራን 1,648,105 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ህዝባ ድማ 83,024,745 እዩ። ኢራን 31 ብገዛእ ርእሰን ዝመሓደራ ክፍለ-ግዝኣት ኣለወኣ። ዋና ቋንቋ ናይታ ሃገር ፐርሺያ (ፋርሲ) እዩ። ዋና ከተማኣ ድማ ቴሀራን እያ። ነበርቲ ቴሀራን ኣስታት 9,730,000 እዮም። ስፍሓት እዛ ዋና ከተማ ከኣ 730 ትርብዒት ኪሎሜተር እዩ። ገንዘብ ኢራን ሪያል ይበሃል። ዝዓበየት ወደብ ኢራን ባንዳር ኣባስ ትበሃል።
እስራኤልን ኢራንን ኣብ መንጎአን ሃገራት ሱርያን ዒራቕን ብምህላወን ብመሬት ዘይራኸባ ክነሰን እየን ሓደገኛ ውግእ ዘካይዳ ዘለዋ። ቀንዲ መባኣሲኤን መሬት ዘይኮነ፡ ፖለቲካውን ኣብቲ ዞባ ዝጸንሔን ዘሎን ጸጥታውን ዲፖሎማስያውን ጽልዋታት ዘለዎ ፍልልይ ናይ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ “መን ዓብለለ?” ውድድር እውን እዩ። እዚ 6ይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ዝተፈላለያ ሃገራትኳ ንእስራኤል ኮነ ንኢራን ዝድግፋ ሃገራት መግለጽታት ዘውጸአ እንተለዋ ዛጊት ብግብሪ ርኡይ ኢዳ ዝሓወሰት የላን።
ዶክተር መሓመድ ዓብዳልሰላም ባብከርን ናይቲ ባይቶ ፕረሲደንትን (ቢቢሲ)ለመብት,UN TV
ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወዲቕ ኣብ ዘላ ኤርትራ ዘሎ ክቱር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ሎሚ’ውን ቀጻሊ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ዝተገለጸ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመዙ ሱዳናዊ ፍሉይ ራፖርተር ዶክተር መሓመድ ዓብዳልሰላም ባብከር ብዘቕረቦ እዋናዊ ጸብጻብ ምዃኑ ቢቢሲ ሓቢራ።
ናይ ዶክተር ጸብጻብ፡ ናይታ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝህዝባ ኤርትራ ጸብጻብ ሰብኣዊ መስል ሎሚ’ውን ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ዘቃለዐ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ትባሃል ከም ዘላ ጠቒሱ። ከም ናይዚ ኣብነት ከኣ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ብዝቐርቡ ቀጸልቲ ጸብጻባት፡ ብመንጽር ነጻ ፕረስ ኣብ መጠረስታ ትስራዕ ከምዘላ ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸሞም መዳያት፡ ብሕጊ መፈጸምታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን፡ ብኩራት ነጻነት እምነት፡ ምንፋግ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉዳይ ሰደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ከምኡ ከኣ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣብ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ይርከቡ።
ልኡላውነት ብብዙሓት ናይቲ ዛዕባ ግዱሳት ዝግለጽ፡ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ ሓደ ካብ መሰረታዊ ረቛሕታት እዩ። ልኡላውነት ንነበርቲ ሃገርን ህዝብን እምበር፡ ንተቐያያርቲ መንግስታት ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ለኻዊ ዝምድና ሃገራት ማዕረ ኣፍልጦ ተወሃሂበን ዝከባበራሉ መሰረታዊ ዓንዲ’ውን እዩ። ኣብ ዝምድና፡ ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ኢድ ከይተእቱን ካልኦት ኣብ ጉዳይካ ከይኣትዉን መከባበሪ መትከልዩ። ልኡላውነት ሃገር ንከይገሃስ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋዊ ሓለዋ ኣሎ። “ሓያላት ኢና” ዝብላ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ከም ድላየን ከይዕንድራ፡ ዝግድበን ከኣ እዚ ሕግታትን ቻርተራትን ሕቡራት ሃገራት እዩ።
ልኡላውነት ንኤርትራውያን ዝለዓለ ናይ ሓባር መግለጺና እዩ። ናይ ሓባር መግለጺና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ኩልና ክቡር መስዋእትን ድምጽን ዝተዋሕሰ’ውን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ርሱን እዋን ይኹን ኣብ መጻኢ ከኣ ቀጻሊ ናይ ኩልና ሓለዋ ዘድልዮ፡ ብዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ተነፊጉና ምስ ጸንሐ፡ ብ28 ጉንበት 1993 ብወግዒ ተኣወጀ።
ልኡለውነት ግኡዝ ስማዊ መለለዪ ዘይኮነ፡ ኩሉ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ምንቅስቓስ ዝካየደሉ መዋስኢ መድረኽ እዩ። ንሱ እንተዘየልዩ ኩሉቲ እንሕበነሉ ኤርትራዊ ጸጋ’ውን ምሉእ ኣይከውንን። ብዘይካኡ ከም ህዝቢ እውን ምሉእ ክብሪ ኣይህልወናን። ኩለንተናዊ ተጠቀምቲ ንምዃኑ እንገብሮ ምንቅስቓስ ኩሉ ካብ ህልውናኡ ወጻኢ ኣጸጋሚ እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጣዕሚ ልኡላውነት ንምንጽባራቕ ካብ ህላወ ህዝቢ ወጻኢ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እዚ ድማ ልኡላውነት ንክብሪ መሬት፡ ኣየርን ማይን ጥራይ ዝወሃብ መግለጺ ዘይኮነ፡ ንህላወን ክብርን ህዝቢ ዘዕዝዝ’ዩ። በዚ እዩ ከኣ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ መሬትን ህዝብን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣጸጋሚ ዝኸውን።
ከከም ዝንባለናን ከባብናን ህይወትና ንምምራሕ ብዙሕ ኢና ንሓስብን ንውጥንን። ንኩሉቲ ዝወጠናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባርና መድረኽ ልኡላውነት ኢና ንዋሳእ። ካብኡ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓስ ግና ብተግባር ኤርትራዊ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል፡ ህልውናና ከም ህዝቢ ከነውሕስን ፍረ ጸማ ኩሉ ዓይነት ጻዕርና ክንሓፍስን ልኡላዊት ኤርትራ ህያው ክኸውን ዘይስገር እዩ። ብሳላቲ “ብደሆና ዘይኮነ ጽባቐና’ዩ” እንብሎ ብዙሕነትና፡ ኤርትራውያን በበይኑ እምነት ንኽተል፡ ኣብ በበይኑ ልምድን ባህልን ንዓስል፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ……ወዘተ ክነስና፡ ኣብ ጽላል እቲ ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና ዝኾነ ላኣላውነት ኢና እነጽልል።
ኤርትራውያን ከም ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት፡ ትምህርቲ፡ ንግድን ካለኦት ማሕበር-ቁጠባዊ ተግባራትን ንዋፈር። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ሃገርና ከኣ ንሰፍር። ምስዚ ኩሉ ግና ሓንቲ ናይ ሓባርና እምበር ነናትና ልኡላውነትየ የብልናን። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍና “ተወሊደ ዝዓበኹሉን ዝተመሃርኩሉን” እንብሎ ዓዲ፡ ወረዳን ኣውራጃን የብልናን ማለት ኣይኮነን። እዞም ነናትና ምምሕዳራዊ ከባብታት ግና መተካእታ እታ እንሕበነላ ናይ ሓባር ሓቛፊትና ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ንዓኣ ዝምእዘዙ፡ ዘድምቑን ዝሕልዉን እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ነዞም ንኡሳን ከባብታት ልዕልታ ዓባይ ናይ ሓባርና ሰሪዕካ ኣብ ጸቢብ ኩርናዕ ምውጣጥ ብዝኾነ መለክዒ፡ ናብ ሰላም፡ ልምዓትን ስኒትን ዘብጽሕ ዘይኮነ፡ መፍቶ’ቶም ብምፍልላይና ክዕንገሉ ዝሓልሙ ዝገብረና እዩ።
ካብቲ ፍልልያትና ዝንጸባረቐሉ መዳያት ህይወት ሓደ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና እዩ። እዚ ፍልልያት ብውልቂ ኮነ ብውዱብ ኣገባብ ዝንጸባረቕ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ፍልልያት ምጽብራቕ ኣባና ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ንቡር ኣድማሳዊ መርኣያ ህይወት ሰባት እዩ። ፍልልይካ ምንጽብራቕን ብኣኡ መሰረት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል እዩ። እዚ መሰል ካብ ክሊቲ ናይ ሓባርካ መዕቀኒ ከየውጸኣካ ምጥንቃቕ ከኣ ግደታ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግደፍን ኣረኣእያ ሓይልታት ለውጥን ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕዩ ጥራይ ዘይኮነ ተጻራሪ’ውን እዩ። ህግደፍ ነታ ናይ ኩልና ጽላል ኤርትራን ህዝባን “ብሓይሊ ጨምዲደ እንተዘይገዛእኩዎም” ዝብል ጨካንን ዓመጸኛን መንገዲ ዝኽተል ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ብኣንጻሩ ህዝብና ካብ መቑሕ ህግደፍ ወጺኡ፡ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ሕግመንግስታዊ ምምሕዳርን ኣብ ዘውሓሰት ሃገር ንክነብር እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ። እንተኾነ ኩሉ’ቲ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ጽላል እታ ናይ ኩልና ልኢላዊት ሃገር ዝገላበጥ ዘሎ ማዕበልዩ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ናይ ሓባር ጽላል ንምውጻእ ብዘርኣዮ ትንዕምንዕ፡ ሓደ እዋን ሓድሽ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ኣነን ኢሱን እንተተሰማሚዕና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ክብል እንከሎ፡ ብምሒር ታሕጓስ ኣፍልቡ ይወቅዕ ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ብስም ልኡላውነት “ንብዓት ሓርገጽ ምንብዑ” ትርጉም ዘስእኖ ከኣ እዝን ወዲኸምዝን ተገላባጢ ተግባራቱ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዋና ልኡላዊት ሃገር ምዃንን ናይ ዲሞክራስን ፍትሕን ተጠቃሚ ምዃንን “ሓዲኡ ምረጽ” ዝመስል ርኢቶ ኣብ ኤርትራውያን ክንጸባረቕ ይስማዕ እዩ። እዚ ክፈላለዩ ዘይግበኦም ኣምራት ነጻጺልካ ምቕራብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሉእነት ኣብ ምርግጋጽ፡ “ልኡላዊት ሃገር ምውናን ጥራይ ናይ መወዳእታ ድዩ?” ናብ ዝብል ሕቶ ዝወስድ’ውን እዩ። ልኡላውነት ሃገር ወኒኖም ክነሶም ካለኦት መሰላት ዝጐደሎም ህዝብታት ካብ ቃልሲ ናይ ዘይምኳሮም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ።
እምበኣር ኣብዚ ዘለናዮ ዝተዋሕሰ ልኡላውነት ናይ ምዕቃብን ሓርነት ናይ ምምጻእን ቃልሲ፡ እቲ ሓደ ይጽነሓለይ ኢልካ ናብ ሓደ ዛዕባ ጥራይ ምዝዛው ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ንክልቲኦም ግቡእ ኣቓልቦ ምሃብ ግድን እዩ። ምናልባት ቅልል ብዝበለ መልክዕ ንምርኣዩ፡ “መሬት ሒዝካ ብዘይዘርኢ ትርጉም ከምዘይህልዎ፡ ዘርኢ ሒዝካ ብዘይመሬት እውን እቶት ክሕፈስ ከምዘይከኣል” ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ ኣብዚ ከባቢና ብኣዝዩ ቅልጡፍ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታት ዝህውጸሉ ዘሎ ግዜ፡ “ኣነኸ ምስ መን እንተተሰለፍኩ እዩ ዘዋጸኣኒ?” ዝብል ሕቶ ምልዓል ዘይተርፍ እዩ። መልሱ ነቲ “ልኡላውነትና ልዕሊ ኩሉ ናይ ሓባርና” ዝብል ኣምር ዝጻባእ ከይከውን ጥንቃቐኻ ከኣ ምዕዛዝ ኣገዳሲ እዩ።
ባህግና Bahgna Media 15.06.2025 ክልተ ብልሒ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ጉዳይና፡ ጉዳይ ህዝቢ እዩ።
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ፈስቲቫልን ሰሚናርን ኤርትራ 2025
እቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ብምትሕብባር ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ሰፊሕ ፈስቲቫልን ሰሚናርን፡ እንሆ እዚ ዓመት እዚ እውን ንማሕበራዊ፡ ፖሊቲካውን ምሕደራ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘንጸባርቅ መድረኻዊ መደባት ዝሓዘ ምድላዋት ሰሪዑ ይርከብ ። ስለዚ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ንኽሳተፎ ጸዊዒትና ነቕርብ ።
ፈስቲቫል ዝግበረሉ ቦታ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት Johann Wolfgang Goethe Universität Merton str 26 - 28 እዩ።
ኣብዚ ኣገዳሲ ናይ ህዝቢ ርክብ ዝካየደሉ ፈስቲቫልን ሰሚናርን ፍራንክፎርት 2025 ምስታፍ ንኩሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ኮይኑ ንመደባትና ዝምልከት ቀጻሊ ሓበረታ ከነስዕብ ኢና።
ብሓድነት ንሓርነት !!!
ኣሳናዳኢት ሽማገለ 2025
ፕረሲደንት ዑመር ገለ ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝጸንሔ ዝምድና ርኢቶ ሂቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ብ11 ሰነ 2025 “ጁየነ ኣፍሪቃ (Juene Afrique) ምስ ዝተባህለት መጺሐት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ነቲ ኣብ 2024 ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝያዳ ኣጠቓቕማ ወደብ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድድዳእ ፈቲሕኩምዎዶ?” ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቡ። ኣብ መልሱ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ከባቢ ዝደለኻዮ ብሓይሊ ምርግጋጽ ከምዘይከኣል ዝተረደአ ይመስለኒ። ኢትዮጵያ ወደባት ዓሰብ፡ ጅቡቲ፡ በርበራ ወይ ሶማሊያ ክትጥቀም ትኽእል እያ።” ድሕሪ ምባሉ ድማ “እዚ ግና ንጐረባብትኻ ግቡእ ትርጉም ብዘይምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ሽምግልና ሃገረ ቱርኪ ሓጋዚ እዩ ምስ በለ ከኣ፡ “ንሕና እንተኮይና ንኢትዮጵያውያን ጅቡቲ ክረሚያ ከምዘይኮነት ነጊርናዮም ኢና” ክብል ኣስዒቡ።
ነቲ “ኣብ ወደብ ታጁራ ናይ ሓባር ምምሕዳር (Joint Management) ክህልወኩም ዘቕረብኩምዎ ሓሳብከ ብወገን ኢትዮጵያ እንታይ መልሲ ተዋሂብኩም?” ንዝብል ሕቶ እውን መልሲ ሂቡ። ኣብቲ መልሱ፡ “ኢትዮጵያ ንሕና ዘይንቕበሎ እማመ ዝሓዘ ልኡኽ ሰዲዳ ነይራ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሓሊፎም ወተሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝምስርትሉ መተሓላለፊ ክንህቦም ስለ ዝሓተቱና። ስለዚ እማመኦም ስለ ዘይንቕበሎ እዚ ዛዕባዚ ድሕሪ ሕጂ ተዓጽዩ እዩ” ኢሉ።
“ብዛዕባቲ ንዓኻትኩም ሃሳይ ዝኾነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሱዳን ክሳብ ሶማሊያ ዝዝርጋሕ መደባት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከመይ ትርእይዎ?” ንዝብል ድማ “ንመደባት ዲፒ ዎልድ (DP world) ተቓዊምናዮ ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን ናብኡ ኣይክንንብርከኽን ኢና። ብዓብይኡ ፖሊሲ ኢማራት ኣብዚ ዞባ ኣፍራሲ እዩ። ኣብዚ ርኢቶዚ ከኣ በይንና ኣይኮናን” ኢሉ።
እምበኣር እዚ ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝገለባበጥ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ምስ መን ከምዘላ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ምስቲ ብጉዳይ ኣገልግሎት ወደብ ኣብ ጅቡቲ ዝተንጠጠለት ምዃ ንኢትዮጵያ ዘቕስና ኣይመስልን።