ኤርትራውያን ቀደም ኮነ ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ኩሉ ጸጽብቑ ከም እንምነየሎም ፍሉጥ እዩ። ትምኒት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ጽቡቕ ንምግሃድ ብኤርትራውያን ዝተኸፍለ ዋጋን ህይወትን  ምዝርዛሩ ዘጸግም እዩ። እቲ ሓባራዊ ድሌት ኤርትራውያን እዚ ኮይኑ፡ “ናብኡ ብየናይ መንገዲ ንበጽሕ” ኣብ ዝብል ግና ቀደም ኮነ ሎሚ ፍልልይና  ዝነበረን ዘሎን እዩ። እዚ ፍልልይ እዚ ካብቲ ዘለና ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ ጸጋና ዝነቅል ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ዘሰንብድን ዝጽላእን ኣይመኾነን። ነቲ ብዙሕነትና ምምሕዳሩ ስኢና መረሓሓቅን መተሃላላኽን ክኸውን እንከሎ ግና ዘየሻቕል ኣይነበረን ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና።

ኣብቲ ቀዳማይ ናይ 30 ዓመታት ምዕራፍ ቃልስና፡ ቀዳማይ ዕማምና ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ እዩ ነይሩ። ከም ርዱእ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ ክበሃል እንከሎ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ ህይወትን ራህዋን ምምጻእዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ድሕሪ ናጽነት እንታይን ከመይን ክንመሓደር ኢና “ብኸመይ ኢና ናጽነት ኤርትራ እነውሕስ” ዝብል ቅድሚት ክስራዕ ቅኑዕ ኣሰራርዓ ጉዳያት ነይሩ። ከምኡ ከኣ ኮይኑ። እንተኾነ እቲ ንድሕሪ ናጽነት ዝምልከት እውን “ ደሓን ሽዑ ነርክበሉ” ብዝብል ምሉእ ብምሉእ ክዝንጋዕ ዘይኮነ ጐኒንጐን’ቲ ቀዳማይ ዕማም ምውሓስ ናጽነት ተተይ ክብልን ባይታ ከንጸፈሉን ዝነበሮ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይሳ ኣፈወርቅን ዝኣመሰሉ ውሱናት ኣካላት ግና ነቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ሓርበኛ ተጋዳልይን ህዝቢ ኤርትራን ኣዳህሊሎም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናጽነት ጨውዮም ነዚ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ንርእዮ ዘለና ክቱር ጭቆና ናይ ምስፍሕፋሕ ሕቡእ ሕልሚ ከም ዝነበሮም፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታትና መስካሪ እዩ።

ብሰንኪቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ነቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ኣበሃህላ ብግጉይ ኣገባብ ምሓዙ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኾነ ርኢናዮ ኣለና። ብሰንክዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልስና ምእንቲ ሓርነት ኣብ ክንዲ ናይ ራህዋን ህድኣትን ዝኸውን እንደጋና ናይ ቃልሲ መዋእል ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ክሳብ ሎሚ ፍረ ቃልሱ ኣብ ዝሓፍሰሉ ዘይኮነ፡ ወትሩ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዱ ክቕጽል ተገዲዱ እነሆ። ሎሚ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረ ኣርሒቕካ ናይ ዘይምርኣይ ሕጽረት ኮነ ተንኮል  ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ጽባሕ ከይድገም ክንመሃረሉ ግና ግድን እዩ። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና ወትሩ ደገምቲ ግጉይ መንገዲ ኮይና ክንነብር ኢና።

ናይ ሎሚ ቃልስና ቀዳምነት እምበኣር፡ ምውጋድ ወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ክነሱ፡ ነዚ እንዳረሳዕና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘይተበጽሐ ናይ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ እዋን  “ብኸመይ ንመሓደር” ኣብ ዝብል እምብዛ ጉልበትና ክንውድእ እሞ ዕድመ ምልኪ ኢሳያስ ክነውሕ ዕድል ክንህብ ኣይግበኣናን። ንጉዳያት ደኣ በብደረጃኡ  ንሓዞ እምበር፡  ምሉእ ብምሉእ በቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ተሸፊና ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንሕሰብ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ኣጋጢሙና ዘሎ ብረቂቕ ዝተሃንደሰ ዕንቅፋት ተማሂርና፡ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግዲፍ ከይድገም ክንዳለወሉ ዘለና እዩ። ኣብዚ ሓደ ክንዝገዖ ዘይብልና፡ በቲ ሓደ ወገገለ ኤርትራውያን ብሰንኪ ምረት ኣብ ድሕሪ ናጽነት  ኤርትራ ኣንጸርጺሮም “ናጽነት ኤርትራዶ እንታይ ዓቢሱልና እዩ?” ክብሉን ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ክጠዓሱን ኣብ ንሰምዓሉ ኢና ዘለና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዲክታቶር ኢሳያስ ይኸዶ ብዘሎ ናይ ጥልመት መንገዲ ሻዲኖም፡ ናጽነት ኤርትራ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ተኣሚኖም ኣእዛኖም ኣውዲቖም ዝነበሩ ወገናት፡ ትንሳኤ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ክምለስ ኣብ ዘመዓድውሉ ኩነታት ኢና ዘለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንስምዒት ኢሳያስ መዝሚዙን ንክብሪ ህዝብና ደንዲኑን እንተላይ ብስም ኤርትራ ክምድርን ስምምዓት ክኸትመን ኣብ እንዕዘበሉ እዋን ኢና ዘለና። ስለዚ ኣብዚ ቅድም ንምውጋድ ህግዲፍ ድሕሪኡ ከኣ ምህናጽ ሓርነት ንቃለሰሉ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እውን ወትሩ ካብ ኣጀንዳና ከነውጸኦ ኣይግበኣናን። ዝምድናታትና ምስ ዝተፈላለዩ ወገናትን መጻኢ መደባትናን ክንሰርዕ እንከለና ንጉዳይ ልኡላውነትና ብጥቃቐ ከነቕልበሉ ናይ ግድን’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ሓርነት ይኹን ዲሞክራሲ ክንተክል ግብራዊ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምዕራፋት ኣብ ዝተኸፍለ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ እዩ ጸኒሑ። ጌና እውን ኣብ ቃልሲ ኣሎ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ መሪር ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ንኣተሓሕዛ ክጥዕመና ግና ቃልስና ምእንቲ ናጽነትን ቃልስና ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኢልና ኢና ንገልጾ። እዚ ምዕራፋት ቃልሲ፡ ብመንጽርቲ ዝካየደሉ ግዜ፡ ብናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ዘመዝግቦ ሽቶን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዝተፈላለየ እዩ። እንተኾነ እዚ ምዕራፋት ቃልሲ ሓያል ምትእስሳር ዘለዎ እምበር፡ በበይኑ ፈላሊኻ ዝተሓዝ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብዚ ምእንቲ ምውሓስ ሕገመንግስታዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ብዙሕነታዊትን ኤርትራ ንቃለሰሉ ዘለና እዋን  ንቀጻልነት ልኡላውነትና እውን ከንቕልበሉ ይግበኣና እንብል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ቃልስና ኣብ ጉዳይ ሃገርና ጥራይ ዝድረት፡ ብኣና ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ከባብያዊ ምስፍሕፋሕን ምጽልላውን ኣብ ዝረኣየሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ቃልስና በዚ ኣብ ከባቢና ኣብ ኢትዮጵያ፡ የመን ኮነ ሊቢያ ዘሎ ምዕባለታት ዘይጽለወሉ ምኽንያት የለን። ድሮ ኢሳያስ ከምቲ ኣመሉ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ ንምህዳም፡ ምስ በዓል ስዑድ ዓረብያን ኢመራትን ኮይኑ ኣብ ጉዳይ የመን ክሳብ ወተሃደራዊ መደበራት ብምሃብ ኢዱ ከም ዝኣተወ እንፈልጦ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ሰራዊት ናይዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ናብ ሊቢያ መመላለሲት ድንድል ኮይና ትሰርሕ ኣላ። ብዓብይኡ ከኣ ኢሳያስ ብዘሕፍር ኩነታትን ካብ ቀዳማይ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ብዝረሓቐን ብእዉጅን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዘእቱ ተጠሊዑ ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ጠብሎቕሎቕ ንሃገርና ዋጋ ከም ዘኽፍላን ንቃልስና ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ንድሕሪትኳ እንተዘይመለሶ ክሓላልኾ ከም ዝኽእል ግና ክንግንዘቦምን ክንዳለወሉን ዝግበና እዩ። ነቲ “ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ኣርሒቕካ ንምምዕዳው ብዘይዕንቅጽ ክንርደኦ ይገበኣና።

ኩለ-መዳያዊ ህይወትና እኩብ ድምር ናይ ትማልን ሎሚን ምዕባለታት እኩብ ድምር ውጽኢት ኮይኑ፡ ዝያዳ ናብ ጽባሕ ዝጥምት እዩ። ህይወትናን ከባቢናን ብቐጻሊ ማዕባሊ ስለ ዝኾነ፡ ትማሊ ንሓደ ጉዳይ ዝመዘናሉ መለክዒ ሎሚ ዝተፈልየ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ናይ ሎሚ ሚዛንና ንጽባሕ እውን ከምኡ ዝምዕብል እምበር፡ ኣብቲ ዘቐመጥናዮ ኮፍ ኢሉ ዝጽበየና ኣይኮነን። ንትማሊ፡ ንሎሚን ንጽባሕን ብዝተፈላለዩ ናይ ግዜ ንውሓት ንገልጾም እምበር፡ ኣብ ቀዳም ኮይና ንዓርብን ሰንበትን ጥራይ ንገልጸሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ቃልስና ነቲ ምእንቲ ናጽነት መሪር ቃልሲ ዘካየድናሉ መድረኽ ትማሊ እንተ ኢልናዮ፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ናይ ሓርነት ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና መዋእል ከኣ ሎሚ ንብሎ። እቲ ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍን ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ዝመጽእ ናይ ራህዋን ህንጸትን ግዜ ከኣ ጽባሕ ክንብሎ ንኽእል። ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ትማሊ፡ ሎሚን ጽባሕን ኢልና ንገልጾም ንኡሳን ምዕራፋት ክንቀርጽ ንኽእል። ኮታ ንተኸታተልቲ ዕለታት፡ ሰሙናትን ወርሓትን ጥራይ ንገልጸሉ ዘይኮነ፡ ንሓደ ነዊሕ መስርሕ ብብርክታት መዲብና እንርእየሉ ናይ ግዜ መዕቀኒ እዩ።

ትማሊ ዝሓልፍናዮ ተመኩሮ ናይ ንሎሚ መምህርና እዩ። ናይ ሎሚ ተግባርና እውን ናይ ጽባሕ መምሃሪና ክኸውን እዩ። ጽባሕ ካብ ናይ ሎሚ፡ ሎሚ ከኣ ካብ ትማሊ ዝመሃረሉ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ መልክዓት ዘለዎን እዩ። ክጠቓለል እንከሎ ድማ ካብቲ ዝሓለፍካዮ ነቲ ኣውንታ ምውሳድን ዝያዳ ብምሕያልን ምምዕባልን እቲ ሓደ ገጹ እዩ። እቲ ካልእ ገጹ ከኣ  ነቲ ግጉይ ጐድኒ ተመኩሮና ምእራሙን ነቲ ክእረም ዘይክእል ድማ ምውጋዱን ብዝብል’ዩ ዝግለጽ። እዚ ሃናጺ መስርሕ ካብ ተመኩሮ ብምምህሃር ነቲ ቀጻሊ ምዕባለ ብኣውንታ ክመርሕዎ ናይ ዝደልዩ እዩ እምበር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሎሚ ኮይኖም ካብቲ ናይ ትማሊ ዝመሃሩ፡ ኮነ ኢሎም ነቲ ናይ ትማሊ እከይ ተግባሮም መሊሶም ሎሚ ዝደግምዎን ጽባሕ’ውን ከም ዝቕጽልዎ ዝእምቱ  ሰብ እከይ ግብሪ ወገናት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን፡ ወጽዓ ኣብ ርእሲ ወጽዓ፡ ቅትለት ኣብ ርእሲ ቅትለት፡ ግህሰት ኣብ ርእሲ ግህሰት እንዳደረበ ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ካብ ናይ ትማሊ ናይ ዘይምምሃር ኣብነት እዩ።

ከምቲ ኣብ ሎሚ ኮይና ትማሊ ሓሊፉ ጽባሕ’ውን ከም ዝመጽእ እንእመን፡ ሎሚ እንኸዶ መንገዲ እንተላይ ብመንጽር ጽባሕ ክምዕብል ዝኽእል ጽልዋኡ ከነጽነዖ ይግበኣና። ሎሚ ዘይረኣናዮ ጽባሕ ሃንደበት መጺኡ ብዝወጠናዮ ከይንቕጽል ዝዕንቅጽ ሓድሽ ተረኽቦ ክኸውን ከም ዝኽእልኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ብዝከኣለና መጠን ከምቲ ብዛዕባ ሎሚ እንጭነቖን እንጥንቀቖን ኣብ ሎሚ ኮይና ጽባሕ ብግቡእ ንምርኣይ እውን ክንጭነቕ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኣዝዩ ቁንጹብ ብናይ ሎሚ ጥራይ ዝድረት ናይ “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ኣተሓሳስባ ዝተሻበብና እንተኮይና ግና ናይ ጉዕዞና ኣጀንዳታት ወትሩ ኣብ ሓድሽ ጥራይ ዝጽመድ፡ ኣካይዳና ከኣ ሰንሰለታዊ ዋሕዝን ናይ ተመኩሮ ምምግጋብን ዝጐደሎ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ካልእ ኣገዳሲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና፡ ናይ ሎሚ ተግባርናን ናይ ጽባሕ መጻኢ መደባትናን ውሁዳት እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ዝዕንቅፍ ምድብላቕ ከይፍጠር ክንጥንቀቕ ይግበኣና።

ኣብ ተመኩሮና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፡ ኣብቲ ንጉጅለ ህግዲፍን ኣተሓሳስባኡን ስዒርና  ዝሓሸ ህይወት ህዝብናን ሃገርናን ዘረጋግጽ ለውጢ ንምውሓስ ከነካይዶ ዝጸናሕና፡ ነካይዶ ዘለናን ጽባሕ እውን ክሳብ ዓወት እንቅጽሎን ቃልሲ ዘጋጥሙና ብደሆታት ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብቲ ብደሆታት ከኣ ነቲ ዘለና ሓባራዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ እምነትናን ትጽቢትናን ዝምጥን ውዱብ ናይ ሓባር ሓድነታዊ ጉዕዞ ከነውሕስ ዘይምኽኣልና ምዃኑ ኩልና እንዛረበሉን እንሻቐለሉን ዘለና እዩ። እቲ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ድሌት ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። እቲ መፍትሒ’ውን ካባና ክነሱ፡ ብሰንኪ ናእሽቱን ዘይመሰረታውያንን ፍልልያት ነቲ ፍሩያት ዘቀራርባና ኣብ ባይታ ከነዕኩኾ ዘይምብቃዕና ከኣ ጸገም ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘይፍታሕ ሕንቅልቅሊተይ ኮይኑና ጸኒሑ። ናይዚ ሕመረት ከኣ ካብ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ክንመሃር ዘይምኽኣልና ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ግና ካብ ተመኩሮና ናይ ምምሃር  ምልክት ነርኢ ኣለና። ካብ ምልክት ሑሊፉ በሪኹ ክረአ ከኣ ቀጻልን ዝተጸንዐን ቃልሲ ይሓተና። ኣብዚ መስርሕዚ ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንታትና ክንርኢ ኢና። ቀንዲ ጐሊሑ ዝረኣየና፡ ቅድም ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ጽባሕ ዝነበረና ናይ ምምዕዳው ዓቕሚ ውሱንን ኣብ ባዕላውነት ዝተሰረተን ምንባሩ እዩ። ዝያዳ ክስቆረና ዝግብኦ ከኣ ኣብ ሎሚ ኮይና ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ክንመሃር፡ ዓቕምና ክንመዝንን መጻኢ ሳዕቤኑ ከነማዕዱን ክንድቲ ዝድለ ዘይምብቃዕና እዩ። እዚ ማለት ካብቲ ትማሊ ዘየዕወተና መንገዲ ንገሊኡስ ክንደገሞ ምጽናሓና እዩ። ኣብ ምምዛን ዓቕምና እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ብደሆ ንምብዳህ፡ ብሓደ ወይ ውሱናት ውድባት፡ ሰልፍታትን ግንባራትን ዘይዕመም ክነሱ፡ ነቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክንድቲ ዝግበኣና ግምትን ክብደትን ክንህቦ ኣይጸናሕናን። ኣብ ምጥርናፍ ሓይልታት ለውጢ ምግዳስ ማለት ብዛዕባ ሓድነት ሓቢርካ ምጭራሕ፡ ምእዋጅን ምጭናቕን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ኩሉ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ወይ ኣላፊንካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ምኽፋልን ንሕድገትን ምክእኣልን ናተይ ኢልካ ምርዓምን እዩ።

ትማሊ በበይንኻ ብምዃንካ ዘይምድማዕካ እንተመዚንካ፡ ሎሚ እቲ መፍትሒ ብሓባር ኮይንካ ምቅላስ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነቲ ናይ ትማሊ መዚንካ ዘዋህለልካዮ ሃናጺ ሓቂ ሎሚ ዘይትጥቀመሉ እንተኮይንካ ሚዛን ምክያድ እቶት የብሉን። ነቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ተማሂርካሉ ማለት፡ ነቲ ዘየቃድወካ ዝነበረ፡ ናቱ እሱር ደኣ ኣይትኸውንን እምበር፡ ደፊንካዮ ትሓልፍ ማለት ኣይኮነን። ኣጐልቢብካ እንተ ሰጊርካዮ፡  ናብቲ “ሓሊፈዮን ተማሂረሉን” ዝበልካዮ ናይ ምምላስ ሓደጋኡ ክፉት እዩ። ነቲ ትማሊ ብሓደ ከይትኸውን ዝዓንቀፈካ ምድህሳሱ ማለት፡ መሊስካ ነቲ ዝሓወየ ዝመስል ግና ክድገስ ዝኽል ስንብራት ንከይምለስ ምፍዋሱ ማለት እዩ።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስን ኰራኹሩን፡ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ የመሓድርዋ ኣለዉ ዶ? ንዝብል ኩልና ኤርትራውያን ሓቢርና ክንምልሶ ዝግባእ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይና እዩ። ከመይሲ እዛ ሃገረ ኤርትራ ብመስዋእቲ ሓርበኛታት ሰማእታትና ዝተረኽበት ስለዝኾነት። እቶም ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ክሳብ ናጻ ሃገር ምውሓስ ዓጽሞም ከስኪሶም ደሞም ኣፍሲሶም ዝተዋጉኡላ ደቂ ኤርትራ፥ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ክርህዎን መን ኢኻ ዘይበሃለሉን ቀሲኑ ክነብር እምበር፡  ልዕሊ ደጋፋይን  ተቓዋማይን ኮይኑ ምምቕቓሉ ጨቋኒ ስርዓት ብዝፈጠሮ ምክፍፋል ኣብ ምንቋት ንምንባር ኣይተቓለሱን።

ኩሎም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ይኹን ህዝባዊ ግምባርን ካልኦት ውድባትን ንመግዛእቲ ካብ ገጽ መሬት ኤርትራ ሰጒግካ ናይ ባዕልኻ ኤርትራዊ ምሕደራ ንምምስራት እዩ ነይሩ ዕላማ ቃልሶም። ይኹን እምበር ኩለን ውድባት ኣብ ከመይነት ምሕደራ ኤርትራ ነናተን ናጻ ሓሳብ  ክህልወን ንቡር ስለዝኮን፣ ሽዑ ነይርወን ሕጂ’ውን ኣለወን። ይኹእምበር ነዚ ፍልልያት ናይ ሓሳብ እዚ ብህድኣትን ብጽሞናን ተመራሚረን ዝሓሸን ንህዝቢ ከርብሕ ዝኽእል ሓባራዊ ጠርናፊ ሓሳብ ከመንጭዋ ኣይከኣላን። ኣብ ክንድኡ እቲ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ስለዝሳዕረረ ኣብ ንሕናን ንሶምን ስለዝተኣትወ ነቲ ኮፍ ኢልካ ምዝታይን ምዕቡል ኣገባብ ምኽታልን ናብቲ  ኣዕናዊ ፍልልያት ኣድሃባ።

ምዕቡልን ስልጡንን ኣተሓሳስባ ስለዘይወነና ድማ እነሆ እቲ ባህሊ ናይ ኮፍ ኢልካ ምርድዳእን ዝሓሸ ሓሳብ ወሲድካ ፍትሓዊ ዝኾነ ስርዓት ንምቋም ኣብክንዲ ንሰርሕ፥ ኣብ ተቓወምትን ደገፍትን ዝብል እዃ እንተተኻኸፍፊልና እቲ ዝኸፍኤ ኣብዘየድሊ ምስሕሓባት ምህላውና እዩ። ኤርትራ ግን ናይ ሓባርና እያ። እታ ሃገር ናይ ኩልና ማለት ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ክንሳ ግን፥ ንገለና ዝያዳ ክምትብጻሓና ብኡ መጠን ድማ ሓይለይትን፡ ንገለና ድማ ዘይትብጻሓን እሞ ኣፍረስትን ኰና፣ ዝጨበጥናዮ ኣብዘይብልና ንሓድሕድና ክንወጋገድ ንውዕል ኣሎና። እዚ ድማ እምበርዶ እዛ ኤርትራስ ናይ ኩልና ኮይናስ፣ ናይ ሓባር ዝባሃል ጉዳይ ኣሎና እዩ ኣብ ዝብል ምጥርጣር የእትወካ።

ስርዓት ኢሰያስ፡ ንሃገርና ኤርትራ ሓሚሱ፥ ካብቲ ዝነበረቶ ኣፍደገ  ምዕብልና ንድሕሪት መሊሱ፡ ምስሊ ኤርትራ ይድውን ህዝቢ ውን ይጽንት ከምዘሎ፣ ንደገፍትን ዝስወር ንተቓወምትን ዝጋሃድሲ፡ እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ሓባራዊ ጉዳይና ኣይኮነን ድዩ? ዘየብል ድማ ኣይኮነ። ደቅና ተማሂሮም ኣብ ስራሕ ዘይወፍሩሉ፥ ሓረስታይ ሓሪሱ ንርእሱን ንዕዳጋ ዘበርክተሉን ምህርቲ ዘይሓፍሰሉ፥ ከመይ ገርና ኢና ሃገርና ጽቡቕ ኣላ ክንብል ንደፍር? እስከ እቲ ራህዋን ደስታንስ ይተረፍ፥ እቶም ዝወለድናዮም ደቅና ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተረሸኑ፥ መንእሰይ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ሃገሩ ጠንጢኑ ሃጽ ከምዝብል እናገበረ፥ እቲ ኣነስ ኣብ ሃገረይ ምስ ህዝበይ ዝበለ መንእሰይ ድማ ወግሐ ጸብሐ ውግእ እናጻሕተረ ከጽንቶን፥ ነታ ሃገርውን ኣብ መቐራቕሮ ከእትዋ እንዳረኣናስ፡ ነዚ ስርዓት እንድግፍሲ እምበርዶ ከም ሰባት ህድግለነ ኣለዎም እዩ ኣየብልን ዶ?

ሎሚ ድማ ዝገደደ ብሕማም ለበዳ ከሮና ኣመሳሚሱ  ዝብላዕ የለ፣ ዝስተ ጽሩይ ማይ የለ፣  ሕዝቢ ኤርትራ ብኮሮና ዘይኮነስ ብጥሜትን ጽምእን ንህልቂት ተዳሪጉ ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ እምበኣር፣ ክልእ ኩሉ ገዲፉ እቲ ደጋፍ እየ ዝብል፣ ወረ  እቲ ህዝብን ሰራዊትን  ዝብላዕን  ዝስተ ጽሩይ ማይን  ስለምንታይ ዝስእን ኢሉ  ዘይሓትትከ እንታይ እዩ ወሪድዎ?  ህዝቢ ካብ ብከብዱን ብጎረርኡን ምትሓዝ ንላዕሊ እንታይ ክመጾ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ።? እቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ነቲ ስርዓት ጽቡቕ ኣሎ እንዳበሉ ክውድስዎን ከዳኽሩሉን ከለውኸ ንህዝቦም ተወጺዕና ኢሉ ንኸይዛረብን ይዶቕስዎን ኣፉ ከምዝልጎም ይግበርዎ ከምዘለዉን ይዝንግዑ ዶ ይኾኑ?

እቲ ዝገርም ድማ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ክሰትን ኣደዳ መከራን ውርደትን ተሳጢሑን እናሃለወ፡  ስቕታ ደገፍቲ እቲ ስርዓት እንታይ ገደሰኒ ዶኾን ይኸውን ወይ እቲ ውልቃዊ ረብሓታት ዓዚዝዎም። እዚ ውልቀ መላኺ፡ ኣብ ልዕሊ መረትን ህዝብን ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣሽካዕላልን፥ ንኤርትራ ኣብ መዓሙቚ እናደቕደቓ ከሎስ ብዘይክኡ ንሃገር ዝከላኸል የለን፥ ሳልኡ እያ ኤርትራ ደው ኢላ ዘላ  ክብሉ ከለዉኸ  ናይ ህልኽ ዲዩ ወይ ኩልና ናይ ሓባር ጉዳይ ስለዘይብልናዩ።  ስለምንታይ ከ ነቲ ስርዓት ብዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ክፍኡን ፍሽለታቱን እንዳገለጸ እንከሎ፣ ኣይፋልካን ህዝብና ይጸንት ኣሎ፥ ሃገርውን ካብ ምዕብልና ናብ ዕንወት፡ ካብ ብልጽግና ናብ ድኽነት ተንቆልቆል ኣላ ዘይብሉ። ከሳዕ መዓስ ከ ኢዮም ነታ ሓቂ ደፊኖም ኣብ ባይታ ንዘሎ ዓቢጦም ነቲ ስርዓት ብምክልኻል ንጨቆናን ዓፈናን ህዝቢ ዝቃለል ዶኮን ይመስሎም ይኸውን። ናይ ኣንክሒራ እንተኮይኑ’ውን እስከ ሕራይ፡ ንደምበ ተቓወሞስ ይንጸግዎ፥ ህዝብና ዝሓሸ ናብራን ብቅኑዕ ምሕደራን ክህልዎ ከ ስለምንታይ ዝጻረሩ። ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፍአ ድማ ንደቅናስ እንታይ ዓይነት ባህሊ ኢና ነውርሶም ዘለና ኢሎም ዘይሓስቡ። እናተጨቘኑ ከምዘይተጨቘኑ፥ ደንቚርም ከምዘይደንቆሩ  ሰላምን ምክብባርን ገዲፎም ኣብ ምፍልላይን ምንዕዓቕን ዲዮ ክውርስዎም። ነቲ ንቕድሚት ዝውንጨፍ ናይ ሰላም ብርሃን ገዲፎም ናብቲ ንኣእምሮኦምን ኣተሓሳስባኦምን ዘጸልምት ፍልልያትን ምግርጫዋትን ከማዕብሉ ዲዩ ሕልሞም።

ስለዚ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኮነ ደገፍቲ ካብ ሓድሕድ ምትህልላኽ ወጺእና፥  ንሃገራዊ መንነትና ዘዕኲኽ ናይ ሓባር ጉዳይ ከምዘሎና ኣዳቒቕና ክንፈልጥ ይግባእ።  እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ነባሪ ኣይኮነን፥ ኤርትራ ግን ነባሪት እያ፣  እዛ ሃገር ነጻግን ተነጻግን ዘይብላ ናይ ሓባር ሃገር ንኽትከውን፥ ደገፍትን ተቓወምትን ነቲ ናይ ሓባር ረብሓና ዘደልድል፥ ንጸጋታት ሃገርና ብማዕረ ክንጥቀም፡ ንኹልና ብሕጊ ዝተሓቛቚፍን ዝዳንን ህዝባዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕማም ናይ ሓባር ጉዳይና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ሰራዊት ምክልኻል እንተኾነ እውን ኣካል እቲ ውጹዕ ህዝቢ ብምዃንካ  ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው  ምስ እትብል ጥራይ እዩ ተኸላኻሊ ሃገር ክትክውን እትበቅዕ። በዚ መሰረት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስቲ ጨቋኒ ዘይኮነስ ምስቲ ህዝቢ ወጊንካ ነቲ ለውጢ ክተቐላጥፎ ኣካል ናይቲ ናይ ሓባር ጉዳይና ኢኻ።

 ኣብ ልዕሊ  ኤርትራ፥ ብሰንኪ እቲ ኣዕናውን ደ ወነናውን ስልጣን ዝጨበጠ ጨቋኒ ስርዓት ዝፍጸም ገበናት፥ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ንሰላምን ራህዋን ብማዕዶ ኢዩ ዝጥምተን ዘሎ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ከም’ቲ "ዓሳ ነቲ ዝብላዕ እምበር ነቲ መጻወድያ ኣይርእዮን" ዝበሃል ምስላ፥ ዝተጋገናዮን ጌና ውን ብቐጻሊ እንጋገዮን ዘለና፥ ኣብ ደልሃመት ኣእትዩ ኣገልገልቱ ክንከውን ገይሩና ዘሎ ኣይነስተብህለሉን ዘለና። ወዲ ሰብ ብግዝያዊ ረብሓ ጥራሕ ተታሊሉ፡ ኣዚሩ ክሓስብ ዘይክእል፡ ዝጠቕሞን ዝጐድኦን መምዩ ዘይፈልጥን እንተኾይኑ፥ ሃገር ኣይትምዕብል፡ ህዝቢ ኣይብልጽግ፡ ወትሩ ተጨቊኑን ተገዛኣን ኮይኑ እዩ  ዝነብር። ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል፡ ካብ ምሁራትና ንኹኑ ዘይተመሃርና፥ ኣብዝሓለፈ ተመኩሮና ‘መግዛእታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ደኣ ካብ ሃገርና ይውጻእ እምበር፡ ናይ ደሓራይሲ ሽዑ ነርክበሉ’ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ብዛዕባ መጻኢና ኣርሒቕና ዘይምጥማት ነይሩ እዩ። ሽዑውን እንቋዕ ዳኣ ካብ ሃገርና ወጸ እምበር ካብ ዝብል ንጹህን ግሩህን ሓሳብ፥ ነቲ ድሒሩ ክመጽእ ዝኽእል ምናልባታት ፈጺሞና ክንሓስበሉ ዘይደለና ኔርና ኢና። ዋግኡ ድማ ክሳብ ሕጂ ንፍደዮ ኣለና።

ናጽነት ተረኺቡ ኢልካ፡ ነቶም ኣብ ሰውራና ዝተኸስቱ ኣሉታት ብድብድቡ ኵዒትካ ብምቕባር፡ ብኣወንትታትካ ጥራይ ክትዝምር ምውዓል መፍትሒ ከምዘይኮነ፡ ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና ታሪኻዊ ኲውንነትዝምስክሮ’ዩ። ንኣብነት ገለ ካብቲ ዝተፈጸመ ዓበይቲ ጌጋታት ክጥቀስ ዝኣክል፥ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ዝነበረ ፍልልያት ብልዝብ ልቦናን ክፍታሕ ዝግባኦ እዃ እንተነበረ፡ ምስ  ደጋዊ ሓይሊ ተመሓዚኻ ብሓይሊ ንምፍታሑ ዝተፈጸመ ናይ ሻዕብያ ገበናዊ ተግባር ኢዩ።፡  ሎሚ ድማ፡ ኢሳያስ ምስ ኣብዪ ተመሓዝዩ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገብርዎ ዘለዉ ጣልቃ ምትእትታው፡ ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪኡ ኰንካ ከበሮ ምህራም፡ "ገ እናበሉኻዶ ትጋገ" ዘብል ታሪኽ ዘይምሕሮ ዳግማይ ገበን ኢዩ። ናይዚ ኣሉታዊ ምሕዝነታት እዚ ሳዕብየን፣ ንሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝኸፍአ ዓዘቕቲ ዘእቱ ከምዝኸውን ድማ ዝሳሓት ኣይኮነን።

ደምበ ተቓውሞ እንተኮነ እውን፡ ምስ ደጋዊ ሓይሊ ተመሓዚና ንስርዓት ኢሳያስ ንምውዳቕ ንሓልም እንተሊናውን፣  ኣብ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ከእትወና ከምዝኽእል ክንግምት የድሊ እዩ። ምውዳቕ ስርዓት ኢሰያስ እምበኣር ሓላፍነትን ዋኒንን ናይ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢዩ። ፈተውቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ድማ ብፖለቲካውን ሞራላውን ደገፍ ከሰንይዎ እምበር፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ኰይኖም ስርዓት ኣብምቕያር ኢዶም ከእትዉ ቅቡል ኣይኰነን። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ምስ ስርዓት ኣብዪ ኰንካ ንትግራይ ምጥቃዕ ኮነ ምስ ህወሓት ኰንካ ንስርዓት ኢሳያስ ምጥቃዕ፣ ንዝሓለፈ ኣሉታዊ ታሪኽ ምድጋም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝብና ኣብዘይሓለሞን ኣብዘይእንታዩን ዝኮነ ህልቂትን ጥፍኣትን ምንቋት ኢዩ ክኸውን። እቶም ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ክነግስ ዝደልዩ ፈተውቲ ሃገራት፡ መንግስታትን ኣህዛብን፡ ነቶም ደለዪቲ ፍትሒ ዝዀኑ ኤርትራውያን ሓይልታት ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ከበርክቱን ክታሓባበሩን ምስዝኽእሉ እዩ ቅቡል ዝኸውን።  ካብኡ ብዝተረፈ ኣብ ጉዳይ ክልተ ኣህዛብ ኢድ ምትእትታው ይትረፍ፣ ዝግበር ምድግጋፎምውን ኣብምንታይን ነየናይ ዕላማ ንምርግጋጽን ምዃኑውን ክንመራመረሉ የድሊ።  ልዕሊ ኩሉ ንሃገርናን ህዝብናን ዝሃሲ ከይከውን ኣንዊሕና ምርዳእውን ይሓትት።

እወ! ሰውራ ኤርትራ፡ ብወሳኒ ተራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ስዒሩ ናጽነቱ እኳ እንተተጐናጸፈ፤ እቲ ካብ ፈተውቲ ሃገራትን ኣህዛብን ዝረኽቦ ዝነበረ ምትሕብባር ይኹን ንዋታውን ሞራላውን ደገፍ ኣቃሊልካ ዝርአ ከምዘይኰነን ዝሳሓት ኣይኮነን። ስለዝዀነ ድማ፡ ደጋዊ ደገፍ ብዋጋ ህዝቢ ንኸይከውን ኣብ ምንታይን ንምንታይን ዕላማ ምዃኑ ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ።

እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተፈጸመ ምምሕዛውን ኢድ ምትእትታውን ንተሓኤ ንምስዓር ዓሊሙ፡ ልኡላውነት መሬት ኤርትራ ኣሕሊፉ ዝሃበ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተወረ መሬትና ንምምላስ ብዝብል ምስምስ ውግእ ብምብራዕ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ኣጥፊኡን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣፈናቒሉን ኢዩ። በሰላን ኣሰርን ናይቲ ዝተፈጸመ ኢድ ምትእትታውን ምሕዝነትን እምበኣር ዘይሩ ዘይሩ ሰላም ቅሳነትን ራህዋን ዝፈጥር ዘይኮነስ ዝመጽኦ መዘዝ ከምዘለዎ እኹል ተመኩሮ ኣሎና። ካብ ወያኔ ሓገዝ ምርካብ ዝጽላእ ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓገዝ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ዝተበጽሐ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኣህግራዊ ቤት ፍርድን ንኸይፈሓቚ ዝሕሉ ክኸውን ይግባእ። እዚ ንሓዋሩ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ናይቲ ስርዓት ጉዳይ ኢዩ ኢልካ ሸለል ኢልካ ምሕላፍ፡ ድጉል ሓዊ ኮይኑ ንውሉድ ወለዶ ዘሳቒ እዩ ክኸውን። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዘለዎ ዶባት ጣልቃ ኣእታውነት ዘይብሉ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሰላምን ብልጽግናን ሓቢርካ ናይ ምዕማርን ዝተሰረተ ምስዝኸውን ኢዩ፣ እቲ ምትሕግጋዝ ንጥምረትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰናይ ጕርብትና ዝምድናን ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ህዝብታት ዝረጋገጽ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት 2020 ኣቢሉ ይኸውን “ህጻናት ኣድሕን” (Save the children) ዝተባህለት ማሕበር ኣብ ጅረፍ ካርቱም ወኪሎም ልኢኾም። እቲ ዝሰደድዎ ወኪል ኣብቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝተዶኮነ ከም ስለያውን ፕሮፖጋንዳውን ቁጠባውን ንጥፈታት ዘሰላስልሉ ብማሕበረ-ኮም ዝፍለጥ ቦታ ብምምጻእ ንብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝመሓላለፍ ሕማም መከላኸሊ ዝኸውን ሓገዝ ክንህብ ጽጉማት ኤርትራውያን ንምምዝጋብ መደብ ስለዘሎ ክትተሓባበሩና ክብል ነቲ ኣብኡ ንዝጸንሖ ዋርድያ ምስተወከሶ፡ ዋርድያ ኪዱ ኪዱ ኣብዚ ጽጉማት የብልናን ክብል መሊሱሉ። ወዮ ልኡኽ ድማ ከመይሉ ኣብ ጅረፍ ጽጉማት ስደተኛታት ዘየለዉ ኢሉ ንነብሱ ክሓትት ዕድል ከይሃበ ነታ በቲ ዋርድያ ዝተዋህበቶ ሓበሬታ ከም ዉዱእ ወሲዱ ከምዘላታ ናብቶም ሓለፍቲ ናይ’ቲ ማሕበር ኣመሓላሊፉዋ። ንሳቶም ድማ ብሸነኾም ነቲ ዝበጽሖም ሓበሬታ ተቐቢሎም ንጅሬፍ ንጎኒ ገዲፎም ንዴም ብምቕናዕ ኣብ ሓደ ኢትዮጵያውያን ዝተኣኻኸቡሉ ቦታ ብምኻድ መምጽኢኦም ምስ ገለጹሎም ነቲ ሓሳብ ተቐቢሎም ስድራቤታት ኣብ ምምዝጋብ ክተሓባበርዎም ድሉዋት ምዃኖም ብምግላጽ ስርሖም ብቐጥታ ብምጅማር 2000 ዝኾኑ ስድራ ቤታት መዝጊቦም ስም ዝርዝር ኣረከብዎም።

ብድሕር’ዚ “ህጻናት ኣድሕን” ንነፍስ-ወከፍ ስድራ ቅድም ኣኣርባዕተ ሳሙና፡ ሸሸውዓተ ማስክን ከክልተ ሳኒታይዘርን ብምዕዳል፤ ብድሕሪኡ ድም ንነፍስወከፍ ስድራ ሰሰለስተ ሽሕ ጅኔ ሱዳን ሂቦሞም።

ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ምስ ሓለፍቲ ናይቲ ማሕበር ተራኺቦም እቲ ብዛዕባ ጅረፍ ዝበጽሖም ሓበሬታ ቅኑዕ ከምዘይኮነ፤ ኣብ ጅሬፍ ማእለያ ዘይብሎም ጽጉማት ስለዘለዉ ጎሲኹሞም ክትሓልፉ ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ምስ ኣብርሁሎም፣ ምዝጉባት ይኹኑ ዘይምዝጉባት ብዘየገድስ ሓደ ሽሕ (1000) ዝኾኑ  ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ምምዝጋብ ክተሓባበርዎም ሓተቱ።

እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን፡ 22 ዝኾኑ  ካብ ዝተፈላለየ ዞናታት ጅረፍ፡ ጣይፍን ኣርከዊትን ብምጽዋዕ ብዛዕባ’ቲ መደብ ኣብርሁሎም። 

ኣብ ሓጺር ግዜ ተንቀሳቒሶም ድማ ልዕሊ እቲ ዝተደልየ ቁጽሪ (ልዕሊ 1000) መዝጊቦም ኣቕሪቡ።  ትካል ህጻናት ኣድሕን ድማ፡ ን1000 ኤርትራውያን ዝኸውን ልክዕ ከም’ቲ ንኢትዮጵያውያን ዝኸውን ደገፍ ስለዝሃቡ፡ እታ ሽማግለ ኤርትራውያን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ  03/07/2020 ጀሚራ፡ ነቲ ደገፍ ንጽጉማት ኣብ ምዕዳል ትርከብ ኣላ። እቲ ንነፍስወከፍ ስድራ ኢትዮጵያውያን ዝተዋህበ 3,000 ጅኔ ግን፡ እቶም ጽጉማት ኤርትራውያን ብሕጂ ክውሃቦም ኢዩ ትጽቢቶም።

 

ብምኽንያት እቲ ንዓለም ምሉእ ኣጨኒቑ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮረና ቫይረስ፡ ከምቲ ኣብ ኩሉ ዞባታት ዓለም ዝተራእየ ናይ ብኣካል ተራኺብካ ኣኼባታት ምክያድ ደውታ፡ ጨንፈርና‘ውን ንገለ ግዝያት ኣኼባታቱ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ኮይኑ፥ ሎሚ ግን ንመራኸቢ ብዙሓን ከምዓብዪ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ዕለት 28 ሰነ 2020፡ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ካብ ሰዓት 15፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ጨንፈራዊ  ኣኼባኡ  ኣሰላሲሉ።

ኣባላት ሽማግለ ጨንፈር ኩልና ብጥዕና ሃሊና ኣብቲ ልሙድ ዝኮነ ኣኼባታትና ብምርኻብና ዘለዎም ጽቡቕ ድልየትን ትምኒት ብምግላጽ ኣኼባ ድሕሪ ምኽፋት፡ ኣብቶም ነቲ ዕለት ዝተታሕዙ፡

1 -  ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ዞባናን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ፤

2 - እዋናዊ ኣተሃላልዋን ምዕባሌታትን ሰልፍን ፤

3 - ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚርና ከም መደብ ንመንእሰያትና እንምህረሉ ዝነበርና መደብ ናይ “ ሰልፍኻ ምፍላጥ “ መደብ፤

4 - ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞን፤ ዝብሉ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።

ካብዝቐረበ ዛዕባታት እቲ ዝያዳ ኣኼበኛ ግዜ ወሲዱ ዝተዛረበሉ ድማ ኣብተን ክልተ ዳሕረዎት ዝተሰርዓ ነጥብታት ነይሩ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስርዒታዊ ኣቋቝማኡን ኣሰራርሓኡን፡ ብስሩዕ ኣብ እዋኑ ብዝግበር ካብ ሰልፋዊ ጉባአ ጀሚሩ ክሳብ ጨንፈራዊ ጉባአታት ኣባላቱን፡ ቅዋማቱን ፖለቲካዊ ፕሮግራሙን፡ ዘሰላስሎም ኣገባባት ንዕምቈት ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓኡ ዘብርሁ ምዃኖም ኣኼበኛ ብሰፊሑ ተረዳዲኡሉ። ጉዳይ ሓድነት‘ውን እንተኾነ  ሰዲህኤ ከም ቀዳማይ መደብ ተተሓሒዙዎ ዝጸንሐ ጉዳይ ኮይኑ፤ ድሮ‘ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህደምሓኤ) ዝበጽሖ ምትሕንፋጽ ናይ ሓድነት ስምምዕ፡ ኣዝዩ ዕዉትን ንህዝብና ድማ ተስፋ ዝህብን፡ ንመላኺ ስርዓት ዘርዕድን ብምዃኑ ኣኼበኛ ኣሞጒሱ። መሪሕነት ሰልፊ ንዝገበሮ ጻዕርታት‘ውን ንኢዱ።

ብድሕሪኡ‘ውን ነቲ ናይ 5 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተፈረመ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ስምምዕ ኣኼበኛ ናእዳኡ ገሊጹ። እዚ ተበግሶ‘ዚ ክቕጽልን፡ ኩሉ‘ቲ ተመዲቡ ዘሎ ሓይሊ ዕማማት ድማ ኣብ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ክቐውምን ኣብ ተግባራዊ ዕማማት ክኣቱን ኣኼበኛ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ንቐጻሊ ኣኼባታት ብዝምልከት ከከም ኣድላይነቱ ሽማግለ ጨንፈር መደባት ክሰርዕን ርኽክባት ኣባላት ጨንፈር ቀጻሊ ክኸውንን ብምትሕስሳብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

“ዝብኢ ብዝጠሓሶ ከልቢ ይኣቱ”  ከም ዝበሃል፡  “ዋናኡ እንተዘይንዕቁ መንደቑ ነይንቕንቑ” እውን ይበሃል እዩ። እዚ ከኣ ንሓደ ጉዳይ ዋናኡ እንተዘይዓቂብዎን ኣኽቢርዎን ካለኦት ነዚ ንዕቀቱን ሸለልትነቱን ተበሊጾም ከም ዝምዝምዝዎ  ንምምልካት ዝቐርብ ለባም ምሳልያዊ ኣበሃህላ እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ “መራሒ ናይዛ ብናይ ሃገርነት ታሪኻ ንኢትዮጵያ እትዓብያ ግና ብሰንኪ ተበሃግነታ ብብዙሕ ዕንቅፋታት ክትሓልፍ ዝጸንሐት ኤርትራ እየ” እንዳበለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ክሳብ ክንደይ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ይዋገየላ ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገረና  ንኹልና ብሩህ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ እሞከዓ ብተደጋጋሚ ተጠሊዑ፡ “ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮያን ሓደ ህዝቢ እዩ። ብስምዒት ዘይኮነ ብልቢ እየ  ንኣብይ ምርሓና ዝብሎ ዘለኹ፡ ኣስማት ከተማታት ኤርትራ በብሓደ  እንዳጸወዐ ሃገርካ ስለ ዝኾነ ናብ ዝደለኻዮ ከባቢ ኤርትራ ፈቓድ ከይሓተትካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ምእንቲ ናጽነት ክንቃለሰ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ዝባኸነ ግዜ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ክንዋጋእ እንከለና ብዝተኸፍለ መስዋእቲ ኣይከሰርናን” ኢሉ። መሊቑዎ እዩ ከይንብሎ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት እሞ ኣብ በበይኑ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ እንዳተጣቓዓሉ እዩ ደርጒሕዎ።

ብኣበሃህላ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፍደገ ዝተኸፍተሎም ብዙሓት ዘይፍትሓውያን ኢትዮጵያውያን ወገናት፡ ልኡላውነት ኤርትራን መስዋእቲ ደቃን ብምስትንዓቕ ኣዳዕዲዖም ይዛረብሉን ይጽሕፍሉን ኣለዉ።። ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሱ ናጽነቱ ከም ዝጨበጠ ዘንጊዖም፡ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እያ ንኤርትራ ኣሕሊፋ ሂባ ኣፍደገ ባሕሪ ኣስኢናትና እምበር፡ ኢሳያስስ ቀደም ኮነ ሎሚ  ፈታዊ ኢትዮጵያ እዩ” ክብሉ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ንሰምዖ ዘለና መስደመም እዩ። እዞም ካብ ቀደም እውን ንቃልሲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ተፈንጫልን ኣፈንጫልን ዝብልዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ንወያነ ይውንጅልሉ ካብ ዘለዉ ብዙሕ ነጥብታት ሓደ “ንኤርትራ ዓዲላ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣስኢናታ ዝብል እዩ።”  ምናልባት ነዚ ናይ ንዕቀትን ብደዐን ኣበሃህላ፡ ናይቶም እንተላይ ኢሳያስ ኣብ ኣስመራ ኣዕኲኹ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዘተዓረቖም፡ “ደሓን እዚ ናይ ስዑራት ሕርቃን እዩ” ኢልና መሓለፍናዮ።

ህልዊ  መራሒ ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ኢሳያስ ንኤርትራ ከም ህያብ ናብ ኢትዮጵያ ከረክብ ምህቃን፡ ኢድ ነሲኦም እንተተቐበልዎ እሞ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ “ወያነ ኣጥፊኣትልካ ዝነበረት ኤርትራን ኣፍደገ ባሕራን መሊሰልካ” ክብሉ ስለ ዝደልዩ “ዓገብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይትርጉሙ ክሕዝን ክዝንጋዕን ኣይግበኦን” እንተዘይበሉ ዝተሓዞም ኣይመኾነን። እቲ ኣዝዩ  ዘሕዝን ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ሃገር እንዳጥፈአን ብሰማእታት እንዳተጣልዐን ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ ዝተዓዛዘሮም ቁንጣሮ ኤርትራዊ ወገናት ዓው ኢሎም “ዓገብ” ዘይምባሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ናበይ ከም ዝወስዶም ከይፈለጡ “ኣሜን” ኢሎም ይምርሕሉ ምህላዎም እዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ታምራት ነገራ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛን ብኣተሓሳስባኡ ካብ በዓል ዶ/ር ኣብይ  ኣሕመድ ዓሊብዙሕ ዘይርሕቕን ጸቢብ ወዲ ኦሮሞ፡ “ድሕሪ ሕጂ ንኤርትራ  በትሪ እምበር ኣጽዋር ናብ  ዘይትዓጥቀሉ ደረጃ ከነውርዳ ኢና። ኢሳያስ ንኤርትራ ድምጹ ዘስምዕን ዝተማህረን መንእሰይ ዘየብላ ብምግባሩ ይተሓባበረና ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማሲኣ ብዘይካ ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ንሳ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልእ ኣየድልያን እዩ” ኢሉ ስለ ዘስተነዓቐና ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑና ከም ዝነበረ ይዝከረኒ። እዚ ሰብዚ ሎሚ እውን ጌና ካብ ርእሲ ኤርትራ ኣይወረደን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ብሄር ሲዳማን  ክልላዊ መንግስቲ ናይ ምዃን መሰሉን ብዝምልከት ርኢቶ ክህብ እንከሎ፡ ናብ ኤርትራ ነጢሩ፡ “ኣይኮነንዶ ናይ ሲዳማ ናይ ኤርትራ ጉዳይ እውን ኣብ ኢድ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ እዩ” ክብል ተሰሚዑ።

እዚ ኢሳያስን ምስ ኢሳያስ ዝተመሓዘዉ ኢትዮጵያውያን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ዘንበድብድዎ ዘለዉ ብዙሕ ትርጉማት ዘለዎን ብዙሕ ዘዛርብን ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ዝጐለሐ ትርጉሙ ከኣ ክብርን ርዝነትን ሰማእትነት ናይቶም ምእንቲ ልኡላውነት ሃገር ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ዘራኽስ እዩ። እዞም ሰማእታት ናይ ወለዶም፡ ናይ ደቆም፡ ናይ ኣሕዋቶም፡ ናይ ኣንስቶም ወይ ሰብኡተን ዘይኮኑ፡ ክቡራት ደቂ መላእ ናይቲ ሳላኦም ኣብታ ሓላል መሬቱ ኣፉ መሊኡ ክዛረብን እግሩ መሊኡ ክረግጽን ዝጽበ ዝነበረ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ህግዲፍ ትጽቢቱ ዘይሰመረሉ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። ናይቶም ኣብ ዝኾነ ቦታ “ኣበይ እዩ ሃገርካ?” ክበሃሉ እንከለዉ ኣፍልቦም ነፊሖም ብሓበን “ኤርትራዊ እየ” ዝብሉ ሰብ ሕድሪ’ውን እዮም።

እስኪ ካልእስ ኩሉ ይትረፍ፡ እቲ “ኤርትራ ብፈቓድ ካልኦት እምበር፡ ብመስዋእቲ ደቃ ኣይኮነትን ናጽነታ ዝረኸበት” ዝብል ሓሶት ምዃኑ፡ ብኽንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ በሪኽ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምቅልሑ ምኽንያት እንታይ እዩ? ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቶም ብዛዕባቲ ምረት ናይቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋ፡ ሎሚ ግና ብሓደ ሃላሊ ጉጅለ ዝጥለም ዘሎ ብቐረባ ዝፈልጡ፡  ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ይኹኑ ዝተጣየሱ መጋድልቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ንሰማእትነት ብጾቶም ኣዋሪዱ፡ ብኻለኦት እውን ክዋረዱ ኣሕሊፉ እንዳሃቦም፡ “መራሒና’ዩ” ኢሎም ከገልግልዎን ክኽተልዎን በየናይ ሕልና ከም ዝተዓገስዎ ዘገርም እዩ። ኣይኮነንዶ ብመስዋእቲ ብጾቶም ዝተረኸበ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኢሳያስ ምስ ስዑራትን ክሳብ ሕጂ ካብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱን ከይወረዱ  እንዳተቐባበለ ክወራዘን ንክብሪ ሰማእታት ብዘይምጥኖም ቃል ከልዕሉ እንከለዉን ስለምንታይ ደሞም ከምዘይፈልሕ እሞ “ደጊም ይኣክል ጸወታ ብሰማእታት” ዘይምባሎም የገርም።

ወዮ ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ “ዝባን ስዉኣት ከምዚ ከይትገርብ” ክበሃል እንከሎ ወስ ዘይብል ዝነበረ። “ዝባን ስዉኣት ከምዚ ክትገብር” ክበሃል እንከሎ ከኣ ንድሕሪት ዘይብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራዊኸ ጸገሙ፡ ድምጽኻ እተስመዓሉ ዕድል ዘይምርካብ ጥራይ ድዩ?፡ ወይስ ንሱ እውን ነቲ ናይ ኢሳያስን መሻርኽቱ ስዑራት ኢትዮጵያውንን ኣሽካዕላል ብስዉእት ርዒምዎ እዩ? ስለዚ ህዝብና ነዚ ሕቶታት ግቡእ ግብራዊ መልሲ ክህበሉ ኣብ ዝግደደሉ ወሳኒ መድረኽ ከም ዘሎ ክርዳእ ይግበኦ መልእኽትና እዩ።

ኤርትራ ቅድሚ 29 ዓመታት ብመስዋእቲ ደቃ ብግብሪ ናጻ ምስ ወጸት፡ ኤርትራውያን ብሩህ ዘመን ክመጸሎም ልዑል ተስፋን ባህግን ነይርዎም። ነቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ረኺቡ ብደረጃ ፕረሲደንት  ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ክመርሕ ዕድል ዝረኸበ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናብቲ ብሩህ መጻኢ ክመርሖ ልባዊ ሕድሩ ኣንቢርሉ። ኢሳያስ እውን ተንኮሉ ሓቢኡ በቲ ልሙድ መዳህለሊ ጥበቡ፡ ሓቂ ከምስል ንኤርትራ፡ ሰላም ዝዓሰላን ክብሪ ህዝባ ናብ እትዕቅብ ብልጽግቲ ሃገር ከም ዘሰጋግራ ናይ ሓሶት ቃል ኣትዩ ነቲ ናይ ህዝባዊ ሕድሪ ተቐቢልዎ። ብሳላ ውሕልነት መራሕተንን ትጉህ ተሳትፎ ህዝበንን ኣብ ዘተኣማምን ቁጠባዊ ዕቤት ናይ ዝበጸሓ ምዕቡላት ሃገራት እንዳ ጸወዐ ከኣ “ንኤርትራ ከም እገለ ከነበልጽጋ ኢና” ኢሉ ፈኪሩን ተጃሂሩን።

ብግብሪ ግና እዚ ብደም ንጹሃት ዝሰኸረ  ዲክታተር፡ በብቑሩብ ካብ ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ክርሕቕ ጀመረ። ጥልመቱ ንምኽዋል ከኣ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ፍቕሪ ሃገር፡ ብምምዝማዝ ኣብ ክንዲ ሕድሩ ኣጽኒዑ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዝጽመድ፡ ናይ ሓሶት ጸላእቲ እንዳፈጠረ ቀዳምነት ዘይወሃቦ  ውግኣት ብምስዋር፡ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ዘርሓቐ ናይ ህውከት ስጉምትታት ክወስድ ጀመረ። ኣብቲ ኩነታት ገለ ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ንዝሃንደሶ ውግኣት ቅኑዕን ረብሓ ኤርትራ ዝዕቅብን መሰሎም። ብዙሓት ግና መዳህለልን ኤርትራዊ ውሽጣዊ ዛዕባ ንምሕባእ ዝምሃዝ ምስምስን ምዃኑ ተረዲኦም፡ እዚ ውግኣትዚ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዕማምና ከይለቐቕና፡ እንተኾነ ብሰላምን ብዘተን፡ ካብኡ እንተሓለፈ ከኣ ብሕጋዊ መስርሕ ዝፍታሕ እምበር፡ ዘይምኽኑይ  ህይወት፡ ንብረትን ግዜን ከነባኽነሉ ዝግበኣና ኣይኮነን ዝብል ድምጺ የስምዑ ነይሮም። ከምኡ ስለ ዝበሉ ከኣ ብዙሓት ዝተፈላለየ ቅጽል ተዋሂብዎም ዋጋ ከፊለምሉ እዮም።

እዚ ኩነታት ብዝኾነ መዕቀኒ ክምዘን እንከሎ፡ ወዮ ጉሒላ ዲክታተር ንኤርትራ ክመርሓ ከምዘይበቕዐ ዝሕብር ናይ ፍሽለት ምልክት ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዲክታተር ፍሽለት  ከኣ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ፡ ብቑጠባ ኣዝያ ዝደኸየት፡ ምእንቲ ፍትሒ ዝተቓለሰ ህዝባ ፍትሒ ዝጸምኣላ፡ ምእንቲ መሰረታዊ መሰሉ ዝተቓለሰ ህዝባ መሰሉ ዝተገፈላ፡ ወለዶታት  ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ተገዲዱ ዝራሕረሓ፡ ዘኽታም ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ዕዙዝ ናይ ፍሽለት ምልክት ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ፍሽለት ግና  ናይቲ  ዝኣተዎ ቃሉ ዘየኽበረ ጽባሕ ዝጐሓፍ ጉጅለ ኢሳያስ እምበር፡ ናይ ልኡላዊት ኤርትራን ህዝባን ፍሽለት ከምዘይኮነ ብብሩህ ክፍለጥ ይግበኦ።

ኢሳያስ፡ ንህዝቢ እንዳዓመጸን እንዳጓዕጸጸን፡ ጠላም ኣበሳኡ  ሓቢኡ ከቐጽሎ ዝዓለሞ ትልምታቱ ተመሊሱ ገጸቦ እምበር ኣየዕወቶን። ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ንክሕባእ ዝኾዓቶ በዓትታት፡ ንህዝብናን ሃገርናን ኣኽሲሩ ንኢሳያ’ውን ከምቲ ዝወጠኖ  ኣየቕሰኖን። ንኹሉ በደላቱ ሓቢኡ፡ ከም ብተሓላቕነት ልኡላውነት ኤርትራን ምምልካት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሳል ዘካየዶ ምምጽዳቓት፡ ሎሚ ባዕሉ  ስለ ዝጠንጠኖ ፍሽለትን ክሳራን ደኣ ኣጐልበቦ እምበር ኣየኽሰቦን። በቲ ኢሳያስ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠብሎቕሎቕ ዝበሎ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ በደል ኣብ ግምት ንዘየእተወ እገዳ ሕቡራት ሃገራት መሕብኢ ንክገብሮ ብዙሕ ፈቲኑ እዩ።  ብግብሪ ግና እቲ ህዝብን ሃገርን ናይ ምምራሕ ፍሽለቱ እቲ እገዳ ምስተላዕለ እውን ዝያዳኳ ደኣ ገዲድዎ እምበር ኣይተመሓየሸን።

እዚ ዲክታተር ኩሉ ዝኸዶ መንገድታት፡ ናብ ፍሽለት እምበር ናብ ዓዲ ደሓን ዘይመርሖ ምዃኑ ምስ ተረደአ፡ ናብ ዝኸዶ ጠፊእዎ ድሕሪ ምዕንይናይ፡ ንነዊሕ ግዜ ተሓቢኡ ድምጽኻ ናይ ምጥፋእ ሜላ መሪጹ ነይሩ። ክሳብ እውን እቶም ሰማዊ ሚኒስተራቱ መራሒኦም ኣበይ ከም ዝተሓብኣ ጠፊኡዎም መዛግብቲ ተሰኪሞም ንሓንሳብ ናብ ዓዲ ሃሎ ንሓንሳብ ከኣ ናብ ምጽዋዕ ከይዶም ሃሰው ኣብ ዝብሉሉ ደረጃ በጺሖም ነይሮም። ድሕሪዚ ብሃንደበት ብናይ “ንኺድ ጥራይ” በሃልነት ካብቲ ሕዱር ጸረ-ህዝብን ሰላምን ሕማሙ ዘሕዊ ዘይኮነስ፡ ግዝያዊ መዕገሲ ፈውሲ ቃንዛ ዝኾኖ ኣጋጣሚ ረኺቡ።

ካብ ወርሒ ሰነ 2018 ጀሚሩ፡ ንኹሉቲ ተኸዊልሉ ዝነበረ ናይ ሃገራዊ ልኡላውነትን ተሓላቕነትን ሓጢጡ ደርብዩ፡ ምስቲ ሽዑ ናይ ኢትዮጵያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ሕግብግብ ክብል ጀመረ። ኣበይ ከም ዝጸንሐ ዘይፍለጥ ናይ ሰላም ሰባኽነት መንፈስ ወሪርዎ ኣብ ኣድራሻት ኢትዮጵያ ምእንቲ ሰላም ኣፍልቡ ክወቅዕ ጀመረ። እዚ ናይ ሰላም ዝመስል ወደኽደኹ ግና፡ ናይቲ ዲክታተር  ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ እዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ እውን ከም ኤርትራ ጥዑይ ምምሕዳርን ሰላምን ዝሓረማ ንክትከውን፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዝነበረ መራሒ ኢትዮጵያ ኣጸቢቕካ ንምጽዳፉ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ (game is over) ዝብል መርዚ ነዝሐ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እየን፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ቃልሲ ዘካየድናሉ ግዜ ከኣ ዝተኸስረ እዩ፡ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ብልቢ ኣብይ ኣሕመድ ንኩልና  ክመርሓና እዩ” ዝሕመረቱ መልእኽቱ  ማዕረማዕረቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈሸለሉ፡  ካብ ብዙሓት ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ስዑራትን  ብ”ኣፍደገ ባሕሪ ስኢንና” ዝጸመሙን ኢትዮጵያውያን “ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣምጺእዋ” ዝብል ናእዳን ኣድናቖትን ተለገሰሉ።

“ለካ ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለያ ወያነ’ዩ እምበር፡ ኢሳያስስ ወትሩ ፈታዊ ኢትዮጵያ እዩ” ዝብሉ ከኣ ብዙሓት ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣለዉ። ኣካይዳ እቲ ዲክታተር  እውን ነዚ ዘራጉድ እምበር ነቲ ኤርትራ ናጻ ዝወጸትሉ ሓቂ ዘነጽር ኣይነበረን። ሓደ ሓደ ጐረሓት ኢትዮጵያውያን ግና እቲ “ኣብይ ክመረሓና እዩ” ዝብል፡ ናይ ኢሳያስ ቃላት፡ ብኣንጻሩ “ኣነ እየ ንኢትዮጵያ ክመርሓ” ማለቱ ከይከውን ክጥርጥሩ ይስምዑ እዮም። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተደላይነት ምርጫ፡ ምትእትታው ምእኩል ምምሕዳርን ገንዘብ ካብ ባንክ ብመቑነን ምውጻእን ዝኣመሰሉ፡ ካብ ኢስያስ ዝለሓዀ ብዝምስል ኣገባብ ኣብ ኢትዮጵያ ይቀላቐሉ ስለ ዘለዉ። ካብዚ ሓሊፎም ኢሳያስ ሕነ’ቲ ኢትዮጵያ ክመርሕ ተወጣዊጡስ ብ1991ኣብ ለንደን ብነፍስሄር መለስ ዜናዊ ተመኪቱ ዝፈሸሎ  ክፈዲ ሕኒን ይብል ከም ዘሎ ዝእምቱ’ውን ኣለዉ።

ዲክታተር ኢስያስ፡ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እንተዘይኮይኑ፡ ዝጽበዮ ገደል ኣየስተውዕልን” ዝበሃል፡ ነቲ ንሱ ዝሓልሞ እምበር ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ናይ ምንባብ ትዕግስቲ የብሉን። በቲ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝጣቓዓሉ ዝነበረ ሻህሪቱ፡ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣርሒቑ ንምሕባእ፡ ዓቕሙ ብዘይምፍላጥ፡ ምስ ኢጋድ ዝወዳደር ዞባዊ ትካል ንምፍጣር’ሞ፡ ኣብቲ ዞባ ጐብለል ንምዃን፡ ከምቲ (ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል) ዝበሃል፡ ምስቶም ከምኡ ነናቶም ዘቤታዊ  ዕዮ ከመሓድሩ ዘይበቕዑ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ቅሩብ ኮለል ኢሉ ሕሩጩ ምስ ወደአ፡  ፍሽለቱ ተሰኪሙ እንሆ ከምቲ ኣመሉ መሕብኢ ቦታ ቀይሩ ደሃዩ ኣጥፊኡ። እዚ ከኣ ወዮ ደኣ ኢሳያስ ከይርዳእ ዝተረደአ ኮይኑ እምበር፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይካ ከየድማዕካ ኣብ ደገደገ ከተድምዕ ምፍታን ውጽኢቱ ፍሽለት ምዃኑ ክርዳእ መተገበኦ።

ብዝኽሪ ስዉኣትና ዝያዳ እነስተንትነሉ ሰሙናት ስለ ዝኾነ፡ ንጽሑፋትናን መደረታትናን ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ስዉኣትና ብዝብላ ቃላት ክንጅምር ግድን ኢዩ። እቲ ዝኽርን ክብርን ናይ ኲሎም ጀጋኑ ስዉኣት ኤርትራ ዘይግድሶ ስርዓት ኣስመራ’ኳ ብተግባራቱን ጥልመታቱን ከይሓነኸ ዝዝምረለን ቃላት ኢየን።

Martyries 1

ክትገልጾ ዘጸግም ውልቀ-መላኺ ኤርትራ ፊን ብዝብሎ ክጐዓዝ ባይታ ኣደልዲሉ ስለ ዝጸንሔ፡ ሃገር ነጻ ኰይና ካብ እትብሃል 29 ዓመታት ሓሊፉስ፡ እታ ኣልቦ ሕግን ፍትሕን ዝገበራ ሃገረ ኤርትራ፡ ጌና ቊጽሪ ስዉኣታን ብዝሒ ዜጋታታን ከይፈለጠት ትነብር ኣላ። እዚ ሓደ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ መስደምማት ነጻ ሃገረ ኤርትራ’ዩ።

ውልቀ-መላኺ ሃገርና ፊን ኢሉዎ “20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ትኹን” ምስ በለ ኰይና። ዘግለለ ኣግሊሉ፡ “እቶም ስዉኣትና” 65,000 ኢዮም” ምስ በለ ከምኡ ዀይኑ። ድሕሪ’ቲ ባዕሉ ዝኣጐዶ ውግእ 1998-2000 ከኣ “ገለ 19,000 ስዉኣት ጥራይ” ኢዮም እተሰውኡ ኢሉ ምስ ኣቃለለ፡ መን ክእርሞ! መን ዓገብ ክብሎ! ከምዚ ኢልካ ንነዊሕ ዓመታት ምቕጻል፡ ከም ህዝቢ ዘየሕንኸና ጒዕዞ ኣይኮነን።

ቊጽሪ ስዉኣት ኤርትራ?

እታ ሎሚ ብቛንቋ እንግሊዝ “ማርቲር” እትብል ቃል ብግሪኽ "ምስክር" ካብ ዝብል ትርጉም ዘሎዋ ቃል ዝመጸት ምዃና ይግለጽ። ብዓረብ ከኣ ሸሂድ (ሻህድ) ብተመሳሳሊ ምስክር ዝብል ትርጉም ኣሎዋ። ሰማዕታት ዝብል'ውን ካብኡ ዝርሕቕ ኣይመስልን። ብግእዝ ሰማዕት/ሰማዕቲ (ዝሰምዑ፡ ዝረኣዩ ዝመስከሩ) ኰይኑ ይስማዓኒ። ብሓጺሩ ሰማዕት/ሸሂድ/martyr ምዃን፡ ጽኑዕ ምስክር ኰንካ ንእተኣምነሉ ዕላማ ደው ምባልን ዝመጸ እንተመጸ ምእንትኡ ዋጋ ምኽፋልን የስምዕ። ንኤርትራ ብዝምልከት ከኣ፡ እቶም ነዚ ናይ ዕላማ ምስክርነት ደው ዝበሉን ከዐውትዎ ዘድሊ ዋጋ ዝኸፈሉን፡ ብዘይ ሌላን-ጒለላን ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ዝግብኦም ስዉኣት ሃገርና ኢዮም።

ኣብቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ጒዕዞ ዝወደቑ ስዉኣትናኸ መነመን ኢዮም? ብዝሖምከ? እዚ ካብቲ ጌና ዘይተመለሸ ሕቶታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ብ1941 ዝጀመረ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ጒዕዞ  ኤርትራ እንሆ 80 ዓመት ክኾኖ ገለ ኣዋርሕ ተሪፉዎ ይርከብ። ኣብ ውሽጥ’ቲ ዓመታት እቲ ከኣ ምእንቲ ወይ’ውን ብምኽንያት ሃገራዊ ዕላማ ዋጋ ዝኸፈሉ/ዝኸፈላ ዜጋታት ናይዛ ከቢድ ዋጋ እተኸፍለላ ሃገር ኢዮም። እሞኸ ብዝሒ ሰማእታትና እቲ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፊን ኢልዎ ዝሓበሮ ኣስታት 85,000 ጥራይ ድዩ? ብዘይካ’ቶም ብረት ዓጢቖም እተቓለሱን ዝወደቑን ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ሓርነትን ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእንቲ ሃገራዊ ዕላማ በጃ ዝሓለፉ ምህላዎም ህዝብና ኣጸቢቑ ይፈልጥ። ኣብ ከባቢ መስዋእቲ ዓብደልቃድር ከቢረ ይኹን ብድሕሪኡ ክንደይ ንሃገራዊ ዕላማ ክምስክሩ/ክጣበቑ ዘይወደቑ!! ኣብ ኣሃዛትን ኣተሓሳስባን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘየልዉ፡ ማለት ዕጡቓጥ ህዝባዊ ምሊሻን፡ ገባር ኣለይቲ ሰውራን፡ ብጒጉይ ኣተኣላልያ ውድባት ኤርትራ እተሃስዩን፡ በብመዓልቲ በዚ ህልዊ ስርዓት ዝቕዘፉ ዘሎዉን ዜጋታትና ስዉኣት ሃገረ ኤርትራ ኢዮም።  

ንዓና ንኤርትራውያን ዝኾነት መዓልቲ፡ መዓልቲ ስዉኣት ኢያ ክንብል  ንኽእል። ግን ከኣ ንዓመታዊ ኣበዓዕላ ክጥዕም ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ክትምረጽ የድሊ። ህዝቢ ክርድኦ ዝኽእል ፍሉይ ድሕረ-ባይታን ትርጉምን ክህልዋ ከኣ ይምረጽ። 20 ሰነ ክብርቲ መዓልቲ ስዉኣትና ምዃና ንግዚኡ ዘጣዕስ ኣይኰነን። ክትጅመር እንከላ ክነብራ ዝግብኦ ትርጉም ከም ዘይሓዘት ግን ርዱእ ኢዩ -- እንትርፎ ኢሳያስ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ህዝቢ ኣኪቡ ናይ መጀመርያ ኣግላሊ መደረኡ እናሃበ “መዓልቲ ስዉኣትና ትኹን”  ምባሉ!!      

ንኣብነት ክዀነና፡ መዓልቲ ስዉኣት ናይ’ታ ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ኣብ መዓልቲ መስዋእቲ ናይ ቃልሲ መራሒኣ ዝነበረ ዶክቶር ጆን ጋራንግ ይብዓል። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ከኣ ብኣጋጣሚ እቶም 30,000 ዝግመቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዳይ ዝኾኑ ሰላማውያን ኣቢላ ንዂሎም ስዉኣታ ትዝክር።

ኤርትራኸ ንዂሎም ናይ እተናውሔ ቃልሲ ስዉኣታ ብመዓልቲ መስዋእቲ ጅግና ፈላዊ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣቢላ  እንተተብዕሎ ኣይመመልክዓላንዶ? ወይ’ውን ንዓንጋሊ ሰውራ ዝነበረ ንተቓላሳይ “ሓፋሽ” ህዝባ ከይተረፈ ምእንቲ ከተኽብር፡ ካብቲ ኣስካሕካሒ ጅምላዊ ህልቂታት/massacres እተፈጸመሉ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ረቚሓ ንዂሎም ሰማእታታ ክትዝክር ዝያዳ ትርጉም ኣይምሃበንዶ? 

ስዉኣት ናይ እተናውሔ ቃልስና እጡቓትን ዘይዕጡቓትን ምንባሮም ምቕባል የድሊ። ስዉኣትና 85,000 ጥራይ ነይሮም ኢልካ ንኣበሃህላ ውልቀ-መላኺ ምኽታል ከኣ ቅኑዕ ኣይመስልን። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ብመጽናዕቲ ዝድገፍ ኣሃዝ ሃሰስ ዘይምባልና እውን ከም ህዝቢ ዘየሕምየና ኣይኮነን።

ብዝሒ ስዉኣት ኤርትራ ከባቢ እቲ ብስርዓት ህግደፍ እተጠቕሰ ኣሃዝ ጥራይ ከምዘይኮኑ ዝእምት ሓበረታታት ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት ብ1992 ኣብ ተሓትመ መጽሓፍ ከም ዘስፈርኩዎ፡ ኮሎነል መንግስቱ ሃይለማርያም ብሰነ 1978 ክዛረብ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ክሳዕ ሽዑ 50,000 ዝኾኑ ሲቪላውያን ብሰንኪ ውግእ ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን ናይ ኤርትራ ገዛኢ ዝነበረ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ 1975 ክሳዕ 1983 ከባቢ 280,000 ንጹሃን ሲቪላውያን ኣብ ኤርትራ መይቶም ኢሉ መስኪሩ። ናይ ወጻእተኛታት ትዕዝብቲ እውን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ፍሉጥ ሰሙናዊ መጽሔት ዓዲ እንግልሊዝ (The  Economist): ኣብ ናይ20 ጥቅምቲ 1990 ሕታሙ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ  ኤርትራ ክሳዕ 500,000 ዝኾኑ ዜጋታት ብሰንኪ ውግእ ከም ዝሞቱ ገሚቱ። ድሒራ ሓንቲ እንግሊዛዊት ጋዜጠኛ (ሚቸላ ሮንግ - Michela Wrong) ብ2005 ኣብ ዘሕተመቶ መጽሓፍ (I Didn’t Do it for You)፡ 200,000 ዝኾኑ ሰላማውያን ኣብ ውሽጢ ናይ 30 ዓመታት ውግእ ኤርትራ መይቶም ኢላ።

ብዝኾነ፡ ናይ እተናውሔ ቃልስና ታሪኽ ብምልኣት ምእንቲ ክምዝገብ፡ ቊጽሪ ስዉኣትና ብሕጂ’ውን እንተኾነ ክንፈልጥ መጽናዕቲ ምክያድ ከድልየና ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ሽዑ ጥራይ ከኣ’ዩ ነቲ ዘየዕግብ ኣሃዛት ኢሳያስን ስርዓቱን እንእርሞ።

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ?

ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እንሕተት እውን ቅኑዕ መልሲ ከምዝይብልና ንኹሉ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 29 ዓመታት “ነጻ” ህላዌና ነዚ ቀሊል ሕቶ’ዚ ክንምልሽ ዘይምኽኣልና ዘየሕዝን ኣይኰነን።

ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ብ2016 ኣብ ዘሕተሞ Understanding Eritrea ኣብ ዘርእስቱ መጽሓፉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘስደምም “ምስጢራት” ዝርዓት ኰይኑ ከም ዝቕጽል ሓቢሩ። ዜጋታት ኤርትራ ካብ 3.2 ሚልዮን ክሳዕ 6.5 ሚልዮን ኣቢሎም ይኾኑ እንተዘይበልካ ካልእ መልሲ ከምዘይብላን  እውን ብኣስተንክሮ ጠቒሱ።

ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ እውን ንጹር ኣሃዝ ከይሓዘ ንብዝሒ ህዝብና ከም ድላዩ ክገላበጠሉ ይርኤ። ንኣብነት ብ12-13 መጋቢት 2019፡ ተስፋሚካኤል ገርሃቱን ኣደም ዑስማንን እተባህሉ ክልተ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ 18 ዝኣባላታ ፍልይቲ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ከተማ ክጅኔቫ ተረኺቦም ሕቶታት “ይምልሹ” ነበሩ። ኣብቲ መልስታት ልኡኻት ህግደፍ፡ ሓዲኦም ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ 3.2 ሚልዮን ኢዩ እናበለ፡ እቲ ካልኣዩ ከኣ 3.4 ሚልዮን ኢዩ ኢሉ።  ጽንሕ ኢሎም ካብቲ ኣዳልዮምዎ ዝጸንሑ (ግን ንሽማግለ ኣይንዕድሎን ዝበሉዎ) ጽሑፍ እናገላበጡ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ 3.8 ሚልዮን ምዃኑ ዝገልጽ ሓዲሽ ኣሃዝ ኣንበቡ።

እቲ ኩሉ መልስታቶም ኣስደሚምዎ ዝነበሩ ኣባላት ሽማግለ ቅኑዕ መልሲ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ፈሊጦም ብቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ መብርሂ ኣይሓተትዎምን። ምኽንያቱ፡ ካብቲ ድሮ ቀሪቡ ዝነበረ ጸብጻባት ብዓል ኣንባሳዶር ተስፋሚካኤል ገርሃቱ፡ ኣብ ኤርትራስ 11 ቤት ማእሰርቲ ጥራይ ከምዘሎ፤ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘይብላ፤ ካብ 1991 ክሳዕ 2019 ብመንግስቲ ኤርትራ እተቐትለ ሰብ ከምዘየሎ፤ ንፓትሪያርክ ኣንቶንዮስ ብ2007 ዝኣሰርዎ ባዕሎም ሰበ-ስልጣን ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን እንበር መንግስቲ ከምዘይኰነት … ወዘተ ክብሉ ስለ ዝጸንሑ፡ ቅኑዕ መልሲ ዘይብሎም ምዃኖም እታ ሽማግለ ጽቡቕ ገይራ ተረዲኣቶምን ተዓዚባቶምን።

እቲ ብ1931 እተገብረ ቈጸራ ህዝቢ (census): ብዝሒ ተቐማጦ ኤርትራ 600,000 ምንባሮም ኣረጋጊጹ። ድሒሩ ብ1950 ከኣ ህዝቢ ኤርትራ 1 ሚልዮን ምዃኑ ብገምጋም ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ተበጺሑ። በቲ ዓመት’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ 18 ሚልዮን ዝነበረ ሎሚ 114 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ -- ማለት ካብቲ ናይ 1950 ብዝሑ ብ6.3 ረቢሑ (18 x 6.3) ማለት ኢዩ። ተመሳሳልነት መነባብሮ  ህዝቢ ናይ ህልቲኡ ሃገራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህዝቢ ኤርትራ 1 x 6.3= 6.3 ሚልዮን ክበጽሕ ይኽእል ካብ ዘብል ምኽንያታት ሓደ’ዩ። ከምኡ’ውን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብከባቢ 2.5% ከም ዝበዝሕ ይንገር። ሓደ ብ2.5% ኣብ ዓመት እናወሰኸ ዝኸይድ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ከባቢ 25 ዓመታት ዕጽፊ ይኸውን። በዚ መዐቀኒ’ዚ’ውን፡ ብ1975 ህዝቢ ኤርትራ 2 ሚልዮን፣ ብ2000 ከባቢ 4 ሚልሊዮን ብ2025 ከኣ 8 ሚልሊዮን ክበጽሕ ይኽእል ኢልካ ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን።

ቅድሚ 50 ዓመታት፡ ማለት ኣብቲ ብ1971 ብኢሳያስን ንኡስ ጭፍርኡን እተዳለወ “ንሕናን ዕላማን” ዘርእስቱ ማኒፈስቶ ሰልፊ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ 3 ሚልዮን ኢዩ ተባሂሉ ነይሩ። ካብ ርእይቶኡ “ፈልከት” ዘይብል ውልቀ-መላኺ ናይ ሎሚ ኤርትራ ከኣ ነቲ ቅድሚ ፍርቂ ዘመን ዘቐመጦ ኣሃዝ ነኺስዎ ክነብር ዝወሰነ ይመስል።

እሞ ብሓጺሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ’ዩ? ስዉኣት ኤርትራኸ ክንደይን መነ-መንን ኢዮም? እዚ ካብቲ ኢሳያስን ስርዓቱን ከለዉ ክንምልሾ ዘይንኽእል ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት ኢዩ። ክንምልሾም እንኽእለሉ ባይታ ክርከብ፣ ዳግማይ ዓወት ክጭበጥ፣ ሕጂ’ውን እተዓጻጸፈ ቃልሲን በብዓይነቱ መስዋእትነትን የድሊ ኣሎ። 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!!

ሰነ 2020                                                                                                         

Martyries 2