ኢርትራ ከም ኩለን ብኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝሓለፋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ምዝዛም ካለኣይ ውግእ ዓለም እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ስፍሓትን ዝወነነት ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኪሎሜትር ገማግም ባሕሪ ዝተዓጥቀትን ብክልተ ወደባትን ብልዕሊ 300 ደሴታትን ዝመልከዐትን ሃገር እያ። እንተኾነ ብሰንኪቲ ክሳዳዊ ተበሃግነታ ብናይ ርሑቕን ቀረባን ተንኮላትን ውዲታትን ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብቐጥታ ከም ሃገር ክትቀውም ዕድል ኣይረኸበትን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ መሪር ቀጻሊ ቃልሲ ተኸፊልዋ ብ1991 ናጻ ወጺኣ። ብ1993 ድማ ብመንገዲ ናይ ህዝባ ረፈረንደም፡ ካብቲ ዘድመጸ 1,100,260 እቲ 99.83% ብዝሃቦ ድምጺ “እወ ንናጽነት” ልኡላውነታ ኣውሒሳ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይና ዝተመዝገበት ሓፊስ ደምን ረዚን  ኣዕጽምትን ደቃ ዝተኸፍላ፡ ደሓር ግና ብ”ደቅኺ ኢና” ዝብሉ ጐሓላሉ ዝተጠልመት እያ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዛዕባና ተሓቲትና ክንምልስ እንከለና፡  ነቲ ብሓፈሻ ኣብ ዝሐለፈ ወለዶታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቃልሲ ሃገር ንምውሓስ ኣዝዩ ዝደልደለ ጥራይ ርዒምና “ኤርትራዊ እየ” ኢልና ጠጠው ኣይንብልን። መንነትና ብብሩህን ብዝርዝርን ምእንቲ ክንገልጽ፡ ከከም ዕምቆት ናይቲ ዝቐርበና ሕቶ፡ ተወሳኺ ናይ መንነት መብርሂ ኣለና። በዚ መሰረት ነቲ ኤርትራውነት፡ ስምና፡ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ባህልናን ብሄርናን ብምድራብ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እውን ዝተወለድናሉ ኤርትራዊ ኣከባቢ ወሲኽና ነቲ መልሲ ነራጉዶ። ብኸምዚ ከኣ ብዛዕባና ኣድቂቑ ክፈልጥ ንዝደሊ ኣካል ግቡእ ስእሊ ንክሕዝ ነኽእሎ።

ኤርትራውነትን እዞም ዝተዘርዘሩ ናይ መንነት ብዙሕነት መግለጽታትን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ረጊጹ ክኸይድ ዝተሃላለኹን ዝወዳደሩን ዘይኮኑ፡ ተደጋገፍትን ተመላላእትን እዮም። ናይዞም ክልተ ተመላላእቲ፡ ኤርትራውነትን መንነትን ምምጥጣንን ምክብባርን ክጐድል እንከሎ፡ እቲ ውጽኢት ዘቕስን ኣይኮነን። ኤርትራውነት ዝያዳ ዓብሊሉ፡ ነዞም ናይ ብዙሕነት መንነት መግለጽታት እንተ ዓምጢርዎም፡ ብዙሕነታዊ መሰላት ተሃስዮም ጭቆና ይብርኽ። እዚ ምብኳር መሰላት ከኣ ኣብ ክንዲ ሰላምን ህድኣትን ጭቆናን ዘይምትእምማንን የስዕብ። ብኣንጻሩ እዞም ናይ መንነት መግለጺ መሰላት ካብ ኤርትራዊ ናይ ምክእኣል ኣምር ወጻኢ ከይዶም፡ ዝያዳ እንተዘይበረኽና፡ ክብሉ እንከለዉ ሃገርነት ኣብ ሓደጋ ይወድቕ እሞ ምብትታን የንጸላሉ። ናይዞም ክልተ መለለይታት ሃገርነትን መንነትን ምምጥጣን፡ ምክእኣልን ምስናይን፡ ከምቲ ወለድና “ማይን ከምዘይነጽፍ፡ ዓሳን ከምዘይመውት” ዝብልዎ፡ ድልዱል መሰረት ናይ ሓቢርካ ምንባርን ምምዕባይን ይኾኑ። ኮታ ኤርትራውነት ካብ መንነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈልየ ህልውና የብሉን። እቲ መንነታት እውን ኣብ ክሊ ኤርትራውነት ጥራይ እዩ ውሕስነት ዝረክብ።

እዚ ቀሊል ዝመስል ኤርትራውነትን መንነትን ናይ ምስናይ ጉዳይ፡ ናይ ህዝቢ ስምዒት ናብኡ ክመጽእ ዝጽበ ወይ ዘገድድ ዘይኮነ፡ ንሱ ናብ ድሌትን ስምዒትን ናይቲ ህዝቢ ዝቐርብ ውፉይ ምምሕዳርን  መሪሕነትን ናይ ግድን ዝሓትት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጸቢብ ዘኹድድ ስሱዕን ዓምጣርን ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ ንቑሕ ህዝቢ እውን ኣብዚ መዳይ ብጽሒቱ ኣዝዩ ዓብይ እዩ። መለለይ መንነት ምስ ኤርትራውነት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድ እቶም መርኣያ ብዙሕነት ዝኾኑ ተጸላለውቲ ስምዒታት እውን ውሁድን ዝናበብን ዝምድና ክህልዎም ኣድላይ እዩ። ንሃይማኖት፡ ንቋንቋን ንባህልን በበይኖም ቆንጪልካ ብምሓዝ፡ ብዘይቶም ካለኦት ከተዕብዮም ምህቃን ኣጸጋሚ እዩ።

ኤርትራውነት፡ ነቲ ብግቡእ ክንሕዞ እንከለና መሰረት ሓይልናን መመልክዒናን እዩ እንብሎ ብዙሕነትና፡ ጨፋሊቕካ ሓደ ብምግባር ዝመጽእ ኣይኮነን። እዚ ዘየዕውት ምዃኑ ከኣ ካብ ተመኩሮ እቲ ዝዓበደን ዝብሎ እምበር ዝገብሮ ዘይፈልጥ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝዋጠየሉ፡ እንተኾነ ዝኸሰረሉን ዝተቓለዓሉን ጓዕጻጺ ጭረሖ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” ምርዳእ ይከኣል። ስለዚ ከምቲ ውቁብ ሕብሪ ንምፍጣር ናይ በበይኑ ቀለማት ኣውሃሃዲ ወሓለ ዘድሊ፡ በበዓይነቱ  ሕብረ-ቀለማት ቀሚሩ ባህ ዘብል፡ ኤርትራዊ ብዙሕነትና፡ ሓላፍነት ብዝመለኦ ከነመሓድር ፖለቲካዊ ወሓላሉ ክንከውን ይግበኣና።

ኤርትራዊ ብዙሕነት፡ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሃገርነት ተሓቒፉ ዝዓቢ እምበር፡ ነቲ ዘይስገር ቀይሕ መስመር ኤርትራዊ ክሊ፡ ብዘፍርስን ዝጥሕስን መልክዑ፡ ከም ናትካ ቋንቋ ዝዛረብ፡ ከም ናትካ ባህሊ ዘዘውትር፡ ከም ናትካ እምነት ዝኽተል ….. ወዘተ እንዳሸተትካ ዶብ ሃገር ሰጊርካ ዝዕንድር ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ሃላሊ ስምዒት ዘይድገፈሉ ብሩህ ምኽንያት ንኤርትራዊ ሓድነትን ህልውናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውነትን ብዙሕነታዊ መግለጺ ህዝባን ዘሎ  ክሕለው ዝግበኦ ሚዛንን ምክእኣልን ስለ ዘመዛብል እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኑዊር ኣብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፡ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን፡ ኩናማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ በንዓምር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን፡ ካክዋ ኣብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፡ መሳይ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን፡ ሎው ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን፡ ሃውሳ ኣብ ካሜሩን፡ ኒጀርን ናጀርያን ከም ዝነብሩ ረሲዖም፡ ትግርኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሃሃገሮም ዓቂቦም ብምህላዎም ከይደቀሱ ዝሓድሩ ሓድሓደ ኤርትራውያን ወገና ብዘይቅዱስ ሽርክነት ዶብ ኣፍሪስናን ኤርትራዊ ህልውና ኣጥፊእናን እንተዘይከድና ኢሎም ከውጠጥዩ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነብሩ፡ ኣብቲ ብዶብ ዘይግደብ ዘመሳስሎም መዳያት ከምቲ ኣብ ዝኾነ ኣብ ዶባት ዝሰፍር ህዝቢ ዝረአ ክዛመዱን ክቀራርቡን ቅቡል እዩ። ኣብ ዶባቶም ይንገዱ፡ ይዋሰቡን ካልእ ማሕበራዊ መስተጋብር ይፈጽሙን ምባል ናይ ለባማትን በሃግቲ ስኒትን እዩ መበልናዮ። ካብኡ እንተሓሊፉ ግና እቲ ኣግእዛያንዶ እንታይዶ እንዳተባህለን ብናይ ግዳም ሓይልታት እንዳኮለሰን ዓሌትን ወለዶን እንዳጸብጸበን ናብ ምፍራስ ኤርትራዊ ሃገርነት ዝደናደንን፡ ነቲ ተሓቢኡ ጸኒሑ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተጋህደ “መዝሙር ንደመር” ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ  መሊሱ ዘጋድድ  ስለ ዝኾነ፡ እግሪ ከይተኸለ ብዓንተቦ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ እዩ።

ናብ ፡ ክቡራት ልኡኻት 47 ኣባል ሃገራት

መበል 44 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዝሳተፋ 47 ኣባል ሃገራት፣

ፓላይስ ጀነቫ

 ናብ ክብርቲ ወ/ሮ ሚቸላ ባቸለት፤

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕሃ፣

ፓላይስ ጀነቫ

 ርእሰ ጉዳይ፡ ምንዋሕ ግዜ ሓላፍነት ፍልይቲ ተኻታትሊት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፤

 15 ጉንበት 2020

ክቡራት ተሳተፍቲ መበል 44 ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ሕ.ሃ.

ክብርቲ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት

እዞም ኣብ ታሕቲ ከቲምና ዘለና፡ ተገዲድና ኣብ ወጻኢ እንዋሳእ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ብሓባር ከነቕርበልኩም እንከለና ሕጉሳት ኢና። ዕላማ መዘክርና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉን ዘይቅየርን ሰብኣውን ፖለቲካውን ኩነታት ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ህልዊ መንግስቲ፡ ናይዚ ባይቶ ኣባል ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ፡ ግቡእ ስጉምቲ ንኽትወስዱ ንምዝኽኻርኩም እዩ።

መጀመርያ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2012 ንመጀመርያ ግዜ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከተተላ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ምምዛዙ፡ ዕቱብ መግለጺ  ተገዳስነቱ ንጉዳይ ኤርትራ ብምዃኑ፡ ልዑል ኣኽብሮትና ንገልጽ።  እዚ በብዓመቱ ክሕደስ ዝጸንሐ ምምዛዝ ተኻታታሊ ኣካል፡ ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ንምቁጽጻርን ግህሰት ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰል ንምክትታልን ዘኽእል ብምዃኑ፡ ባይቶ ሕ.ሃ. ንኤርትራውያን ግዳያት ዓመጽ ዘበርከቶ ኣገልግሎትን፡ ዝሃቦ ዕቱብ ቆላሕታን ዘመልክት እዩ።

ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎም ውሳነታትን መተሓሳሰብታትን ንከይትግበሩ፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ክጻረሩ፣ ነተን ሰብኣዊ መሰል ክከታተላ ዝተመዘዛ ኮሚሽነር ድማ መእተዊ ክኸልእወን ከም ዝጸንሑ ርዱእ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ክሳብ ሕጂ ንኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ በተን ባዕሉ ዝመዘዘን ላዕለወይቲ ኮሚሽነር፡ ቅድም ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ብወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ቀጺሉ ከኣ ንክልተ ዓመታት ብወ/ሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ዝቐርበሉ ናይ ቃል መግለጽን ጸብጻባትን እዩ ሓበሬታ ክረክብ ጸኒሑ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኤርትራ ህዝባ ብኣዝዩ ዝኸፈአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝሳቐየላ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰልን ከኣ ኣዝዮም ዝሸቐሉላ ሃገር ኮይና እያ ጸኒሓ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሻቕልን፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት ካብቲ ዓሚ ዝነብሮ፡ ኮታ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ብዉሑዱ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ከይተቐየረ እዩ ቀጺሉ። ኩነታት ከምዚ እንከሎ ደኣ፡ ስለምንታይ እዮም ካብተን 47 ኣባል ሃገራት፡  ናይ ገለ ሃገራት ልኡኻት ኣብ ምንዋሕ መዝነት ናይተን ኩነታት ኤርትራ ዝከታተላ ኮሚሽነር ዘይግደሱ? ወይ ይናዋሕዶ ኣይናዋሕ ኣብ ዝብል ምውልዋል ዝኣትዉ? ዘገርም እዩ።

ንሕና እዞም ብሓባር ነዚ መዘክር’ዚ ነቕርብ ዘለና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኰይንና ከይንዋሳእ ዝተሓረመና ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ናብ ኩሎም ተሳተፍቲ ልኡኻት መበል 44 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ መዘክር ነቕርብ ኣለና። በዚ መዘክርና ከኣ እዚ ባይቶ ንመዝነት ወ/ሮ ዳኔላ ክራቨትዝ ብምንዋሕ ኣቢሎም፡ ንሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተሓተ ደገፍን ሞራላዊ ምትብባዕን ክገብረሉ ንጽውዕ።

ክቡራት ተሳተፍቲ መበል 44 ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ሕሃ

ክብርቲ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት

ብዛዕባ ኤርትራ ግቡእ ኣፍልጦ ከም ዘለኩም ርግጸኛታት ኢና። ደጊምካ ንምዝኽኻርኩም ዝኣክል ግና፡ ወያ ንዝሓለፈ 29 ዓመታት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺባ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ናይዚ ባይቶኹምን ኣባል ዝኾነት ኤርትራ፥

  • ሕገ-መንግስትን ግዝኣተ ሕግን የብላን፤
  • መንግስታዊ ትካላትን መንግስታዊ ኣካላትን የብላን፤
  • ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ምርጫ ኣየካየደትን፤
  • ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ሃይማኖታዊ እምነትን ምንቅስቓስን የብላን፤
  • ምብጻሕ እሱራት፡ ዋላ ብቀይሕ መስቀል ዘይፍቀደላ ሃገር እያ፤
  • መሰል ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ምቕራብ የብላን፤
  • ከምቲ ንስኻትኩም እውን እተፈልጥዎ እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ፤

 

ከምቲ ንስኻትኩም እተፈልጥዎ ናይ ኤርትራውያን እሱራት ዕድል “ማእሰርቲ ክሳብ ሞት” እዩ። ከምቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ወ/ሮ ኪታሩዝ ነዚ ባይቶኹም ዝሓበረኦ፡ እቲ መወዳእታ ዘየብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። በዚ መሰረት ሓደ ሲሶ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ባርነት ተቓዊሙ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ብደረጃ ስደተኛ ክብሪ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ይነብር ኣሎ።

መልእኽትና ንምድምዳም፡ እዞም ኤርትራውያን ውድባት ጽቡቕ ፈቓድኩም ኮይኑ፡ ገለ ውሱን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ይሕግዝዩ ኢልና ስለ እንኣምን፡ ናይተን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ዝተመዘዛ ልእኽቲ ኣብቲ መዝነት ዝጸንሓሉ ግዜ ከተናውሑለን ብትሕትና ንሓትት።

ኣኽበርትኹም

ኣቦመንበራት

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)
  2. ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4.  ውድብ ዲሞክራስያዊ ሓድነት (ውዲሓ)
  5.  ሕብረት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሕፍ)
  6.  ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀ)

እቲ ጭቆናን ግፍዕን ዝወለደ ምልኪ ክሳብ ዘይተወገደ፥ ነቲ ዝሓሸ ክንጥምትን ብቕኑዕ መገዲ ንምኻድ ክንሓሳብን፡ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ጥሙር ሃገራዊ ሓሳብ እንርዕም፡ ቃልስና ቀጻሊ እዩ ክኸውን። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና  ዘይተጸበናዮ እዚ ዘይበሃሉ ኲርኳሓት ከጋጥሙና ይኽእሉ እዮም። እዞም ኩርኳሓት  እዚኦም እንተስ ብወዝቢ እንተስ ብዝተጸንዐ መንገዲ ክምርሹ ከለዉ፥ ገለ ንረብሓና ገለና ከኣ ንጉድኣትና ዘስዕቡ እዮም። እቶም ንረብሓና ዝውዕሉ ከይተጠቐምናሎም እንተሓሊፎም ደጊሞም ኣይምለሱን እዮም። እቶም ንጉድኣትና ዝኾኑ ግን ዘስዕብዎ ኣሉታት ኣብ ክንወጸሉ ዘይንኽእል ዓዘቕቲ ኢዮም ዝሸሙና።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልኪ፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝማዕበለ ዘይኮነስ፡ ንዓመታት ክስረሓሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ጠንቂ ናይ ምልኪ ድማ፥ ነቲ ህዝቢ ከሎ ገና ንናጽነቱ፡ መሰሉን ስልጣኑን  ፈሊጡ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ብራዕድን ዓፈናን ዓጊቱ ስለዝሓዞም እዩ።  እነሆ ድማ፥ ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ምንታይ ሽግር ወዲቑ ከምዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። ይኹን እምበር ሽግሩ ብምዝርዛር ጥራይ ራህዋን ቅሳነትን ክነምጸኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ሽግርን መከራን ፈሊጥና ክንውግድ ነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ዲግድጊት ተዓጢቖም ዝቃለሱ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ምሕብሓብን ምሕጋዝን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዩ።

እዞም ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባትን እምበኣር፥ ነዚ ምልኪ ኣልጊስና ህዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ኢልና እንቃለስ ስለ ዘለና፡ ክነተግብሮ ዝግበኣና ምትግባር እዩ፡፡ መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ካብዚ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይናይ ናጻ ኢና ንነፍስና ምምርማር የድልየና። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ስርዓት  እንቃወም፡ እቲ እንኸዶ ጎደና ምፍላጥን፥ ነቲ ሃገራዊ ዕላማና በቲ ቅኑዕ ኣገባቡ ክንሕዞን ይግበኣና። ሳልሳይ ነጥቢ ፥ እቲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ሓሳብ ብጉርሒ ወይ  ብምጥርጣራት ዘይኮነ፡ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ምቅላስ። እቲ ራብዓይ ድማ፥ "ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ" ንዝብል ኣምር ተኸቲልና ነቲ ናብ ረብሓና ዝውዕል ዕድላት ብኣግኡ ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል እዩ።

ሎሚ፥ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ቀዛፊ ሕማም ለበዳ ከሮና ቫይረስ (ኮቪድ-19) ንምምካት መላእ ዓለም  ሓድነቶምን ምትሕግጋዛቶምን ኣሕይሎም ይሰርሕሉ ኣለዉ። እዚ ንዓና ነዞም ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ; ህዝብና  ክነድሕን ኩልና ደገፍትን ተቓወምትን ብሓባር ክንሓስበሉ ዘኽእል ተረኽቦ እዩ። ነዚ እውን እተን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ማሕበራትን ብዘይወዓል ሕደር፥ “ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ” ከይበላ ብሓባር ዝሰርሓሉ ፍኖተ ካርታ ቀሪጸን ንቕድሚት ክስጉማ እዩ ዝግበአን። ሎሚ፡  መን ይመርሕ ወይ ናይ ስልጣን ሕቶ ዝለዓለሉ ግዜ ኣይኮነን። 

ስለዚ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍልልያት ናይ ዓሌት፥ ሃይማኖትን ብሄርን ተንከፍ ክሳብ ዘይኮነ፥ ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክንፈትሖ ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ብካብዚ ሓሊፉ ኣኼባታት፡ ውዑላትን፥ መግለጺታትን፥ ወግሐ ጸብሐ “እዚ እባ እቲ” እናተበሃሃልና ህዝብናን ሃገርናን ካብ መመሊሱ ንሓደጋ  ምቅላዕ ክነድሕኖ ኣይኮናን። እዚ ካብ ኮነ ሓቢርናን ተወሃሂድናን ክንሰርሓሉ ዘይንኽእል እንታይ እዩ እቲ ሽግርና፡ ንክንመሚ ብቕዓትን ድፍረትን ክህልወና ኣለዎ። እንተዘየለ እዚ ህልዊ ኩነት እዚ ምስቲ ግዜ እንተዘይተቐዳዲምናን እንተዘይሰሪሕናሉን፥ እቲ ግዜ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ሳዕቤን ከምጸኣልና ምዃኑ ክንርደኦን ክንበጽሖን  ኣብ ዘይንኽእለሉ ሃዋህው እዩ ከእትወና።

እዋኑ ነቲ ንኸይንሰማማዕ ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ስውር ፍልልያት ብህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኩነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። ነዚ ክንፈትሕ እንተዘይክኢልናን ናይ ሓድሕድ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምትሕልላይን ተኣማንነትን እንተዘይኣጥሪና፥ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ክህልወና ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ብተወሳኺ ንኩነታት ናይ ምንባብ ሓባራዊ ግንዛቤ ክህልወና ስለዘይክእል፥ ንዝኾነ ይኹን ኣብ ምግጣም ግብረ-ኣልቦ ኢና ክንክወን። እዚ ከኣ ብወገኑ ነቲ ናይ ጽባሕ ተስፋና ከማህምኖን፥ ነቲ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ገቲሩ ዝጋርደና እዩ ክኸውን።  እቲ  ጽባሕ ኣብ ሃገርና  እንምነዮ ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ እንተኾይኑ፡ ሎሚ እቲ ጽምዶና ናይ ስልጣን ምቁርቛስ ዘይኮነስ ኣብ ናይ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ምትካል እዩ ክኸውን ዝግባእ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ተኸታታልን ደቛስን ስርዓታት፡ እንተስ ብሃይማኖት እንተስ ሃብቲ ንምጉሕጓሕ ይቀላቐሉ ንዝነበሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ እምብለይ ኣይግዛእን ብምባል ኢዱ ሂቡ ኣይፈልጥን። ኩሉ ኣተሓሳስብኡ እውን ከመይ ኢሉ ካብዚ ግፍዕን ስቓይን ይላቐቕ እምበር፡ ንመግዛእቲ ኣሜን ኢሉ ዘይቀበል ከምዘይነበረ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ዕድመኡ ንግፍዕን ጭቆናን ክቕበል ወይ ተጸቒጡ ክነብር ስለዘይክእል።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣዝዩ ዝኾርዓሉ ኣገባብ ምሕደራ ማለት፥ ባይቶ ዝበሃል ካብ ጥንቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ባይቶ እዚ ኣብ ኩለን ዓሌታት ኤርትራ ተመሳሳሊ እዩ። ዋላ እቲ ሕግታቱ’ውን ብዙሕ ዝፈላለ ኣይኮነን። እዚ ዘብርሆ እንተሎ፡  ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደየናይ ኣብ ብሕጊ  ዝኣምንን ብሕጊ ዝቐየድን ምዃኑ እዩ። ይኹን እምበር በዝን በትን ክጎብጥዎን ኣገዲዶም ግብሪ ከኽፍልዎን፡ በብቑሩብ ከኣ ነታ መሬቱ እናቖራርምዋን እዛ ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ዘላ ተፈጢራ።

ኩሎም እቶም ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ኤርትራ ገዛእቲ፡  ሕብሪ ቆርበቶምን መልክዖምን ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ፍልልያት ንኽፍጠር ጥራይ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም። ሓደ ካብኦም መግዛእቲ እንግሊዝ እዩ። እንግሊዝ ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን ግርጭት ክፈጥር ከንደይ ዘይጸዓረ። ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ንውዲታቱ ነቒሑሉ እምበር ኣይተሃመለሉን። ኣብ ክንድኡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር  መስሪቱ ኣስላሙን ክርስትያኑን ብሓባር ምእንቲ ህላዌ ኤርትራ ተጠርኒፉ ተቓሊስዎም። እንተኾነ ግን፡ ንግስነት ሃይለስላሴ ወይጦታቱ ናብዚ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣስሊኹ፥ ከምዚ ሎሚ ፎግፊጎም ክኣትውና ዝደልዩ ዘለዉ፡ ፎግፊጎም ብምእታው ነቲ ማሕበር ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ገይሮሞ። ብሰንኪ እዚ ከኣ "ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን" ተባሂሎም ኣብ ክልተ ተመቒሎም። ወያ ዝነበረት ንእሽቶ ቁልዒ ናብ ጓህሪ ገጻ ስለዝተቐየረት ከኣ እቲ ናይ ምፍልላይ ኣንፈት እናገፍሐ ከደ። በዚ ዝኣክል እቶም ኣሕዋት ዝነበሩ ኣብ ምጥርጣራትን፥ ምስኣን ምትእምማን ገጾም ከዱ። እዚ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ድማ ምልኪ ወለደ።

 ሰውራ ኤርትራ ክብገስ ከሎ፡ ብፍላይ "ማሕበር ሸውዓተ" ንኹሉ ኤርትራዊ ጠርኒፉ ከተብቅዕ፥ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ነቲ በዓልቤታዊ ዓቕሚ ኣብ ግምት ከየእተወ ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ንምምላስ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ፥ ብግስ ከይበለ ኣብ ብረታዊ ረጽሚ ኣተወ። እዚ ተረኽቦ ክሳብ ናይ ውድባት ምብዛሕ ብምብጽሑ  ነቲ ፈኽም እናበለ ዝጎሃሃር ዝነበረ  ፍልልያት መሊሱ  ኣጋደዶ። ገለ ወገናት በዚ ኣቢሎም  ህዝቢ ንምኽሳብ፥ ነቲ ቃልሲ ከም ናይ እስላምን ክርስትያንን መልክዕ ገይሮም ከትሕሓዝዎ ፈተኑ። ብኡ መሰረት ከኣ ኢሰያስ ንደቂ  ከበሳ ክሕዝ “ንሕናን ዕላማናን" ዝብል ማኒፈስቶ ዘርገሐ። ድሕሪኡ እቲ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ዝያዳ እናተጋፈሐን እናማዕበለን ካብ ናይ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኣተሓሳስባ ወጺኡ ዳርጋ ናብ ናይ ጓኖት ዝመስል ርክብ ገጹ ከደ።

እተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ድማ ነቲ ግርጭት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ንምእላዩ ኣብ ክንዲ ዝፍትና ናይ ጎነጽ  ኣተሓሳስባ ኣማዕቢለን ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ሱር ዝሰደደ ፍልልያት ፈጠራ። እዚ ፍልልያት  እዚ ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊን ስነሓሳባውን ዝኸውን፡ ብቐጥታ ጀብሃ ናይ እስላም፥ ሻዕብያ ናይ ክርስትያን መሲሉ ስለዝተራእየ፥ ንኢሰያስ ከምድላዩ ከዳህልል ዕድል ሃቦ።  እነሆ ድማ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኢሰያስ፥ ብምቕንጻል፥ ምሕያርን  ሽርሕታትን  ነቲ መድረኽ ንበይኑ  ስልጣን ንምብሓት  ንክቆጻጸሮ ሓጊዝዎ።

እቶም ካብ ፈለማ ቃልሲ ዝጀመሩ ምእንቲ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝሓሸ ምሕደራን፥ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ መንግስትን ንምፍጣር እምበር፡ ምልኪ ንምንጋስ ኣይነበረን። ኮይኑ ግን እቲ ፈኸም እናበለ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሐ ዘይምትእምማንን፥ ምጥርጣራትን ነቲ ሰናይ ድሌት፡ ዕላማን ተልእኾን ስለ ዝዓብለሎ፥ ኣብ ዘየድሊ ውድድራት ተበጽሐ። እዚ ምጥርጣራትን ሓድሕድ ዘይምትእምማንን ክሳብ ሎሚ ኣንጸላልዩናን ንቕድሚት ከይንስጉም ሓሊኹ ሒዙናን ዘሎ እዩ። እዚ ንሃገራዊ ኣተሓሳስባናን ሃገራውነትናን ዘዳኽም ንሃገርናን ህዝብናን ድማ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ተረዲእና ፈውሲ ክንረኽበሉ ይግበኣና። እዚ ፈውሲ እዚ ግና ነቲ ናብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማን ዘእትወና ዘሎ ጉዳይ ንምውጋድ፥ ብኣውራጃ፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖት፥ ብቋንቋ …ወዘተ ኣቢልና ክንከዶ እንተኮይና፥ መሊስና ነቲ ጓህሪ ነዳዲ ኢና ንንስንሰሉ ዘሎና። ከመይሲ ነቲ ዘይምትእምማን ዘምጽኦ ወይ ዘብቁሎ ንሱ ስለዝኾነ።

ስለዚ፡ ኤርትራዊ ሓዲሽ ወለዶ፡ ነቲ ዕላማን ባህግን ናይቶም  ዓበይቲ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ እቶም ናብቲ ናይ ቃልሲ ዕድመ ዝበጻሕናን ዝተሳተፍናን፥ ምልኪ ንምምጻእ ዘይኮነስ፡ ኤርትራና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣላቒቕካ፥ ልኡላውነታ ዘውሓሰት፡ ዲሞክራሲያዊት፥ ብልጽግትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምፍጣር ከምዝነበረ ክርዳእ ይግበኦ። ትዕድልትና ሕማቕ ኮይኑ ግና እነሆ ኣብ ሃገርና ኮሪዕና ኣብ ክንዲ ንነብር  ዘይሓሰብናዮ ኣብ ሃገርና ንኹልና ዝለኻኽም ስርዓት ተተኺሉ። እምበኣር “ ሕጂ እንታይ ይገበር?” እዩ እቲ ቀንዲ ሕቶ። ምኽንያቱ እቶም ተቓሊሶም ደሞም ዘፍሰሱን፥ ዓጽሞም ከስኪሶም ዝሰንከሉን፡ ከምኡ እውን እቶም ብህይወት ዘለዉ ነባራት ተቓለስቲ ንገዛእ ርእሶም ዝጭኩን ሓይሊ ክፈጥሩ ኢሎም ከምዘይቃለሱ ርዱእ እዩ። ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ፡ ነዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ፥ ብኣውራጃ ዲዩ ብብሄር ወይ ሃይማኖት፥ ወይ ቋንቋ እንተ ተፈላልዩ፡ እታ ንዓና ዝረኸበትና ኢያ ክትረኽቦ’ሞ ካብዚ ወጺኡ ፖለቲካዊ ብስለቱ ክብ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ይግበኦ።

እዚ ሕጂ እውን ቅርቡነቱን ናህሩን ከይቀየረ፡ ንኹሉ ውዲታትን ማሕለኻታትን እንዳጠሓሰ ዝቕጽል ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ዝበለሐ ኣንፈቱ ኣብ 60ታት እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ በሊሕ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ናይቶም ጀመርቲ ቁጽሪ ውሑድ፡ ነቲ ቃልሲ ኣበይ ከም ዘብጽሕዎ ተረድእኦም ድሩት፡ ዕጥቆም ውሑድን ድሑርን፡ ብኣንጻሩ ጸላኢኦም፡ ብዙሕ፡ ክሳብ ኣፍንጫኡ ዝተዓጥቀን ብዙሓት ናይ ግዳም “ኣጆኻ ኣለናልካብ” በሃልቲ ዝነበርዎን ምንባሩ ፍሉጥን ብዙሓት ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ዝቐመርዎን  ሓቂ እዩ።

ምስዚ ኩሉ ሕጽረትን ዘይምምጥጣንን ግና ፡ እቶም ነዚ ኣብ መስርሕ ኣዝዩ ቃልቃል ዝበለ ቃልሲ ዝጀመርዎ፡ ንሳቶም ጀሚሮም ንሳቶም ዝውድእዎ ዘይኮነስ፡ ናብ ወለዶታት ዝሰጋገር፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዕዳ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም። ተረድእኦም ከምኡ ስለ ዝነብረ ከኣ፡ ነቲ ሽግ ቃልሲ  ናብ ቀጻሊ ወለዶ  ናይ ምርካብ ድሉዉነት ዝውንኑ ምንባሮም ቀንዲ ናይ ብቕዓቶም መለክዒ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ሳላ ከምኡ ዓይነት ተረድኦ ዝነብሮም ከኣ እቲ ንሳቶም ዝወልዕዎ ሽግ ቃልሲ ኣይቀሃመን። ብዙሓት እንዳተቐባበሉ ሳላ ዝቐጸልዎ ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣውሒሱ። እቲ ናይ ሽግ ቃልሲ ምቅብባልን ናይ ተመኩሮ ምርኽኻብን መስርሕ ግና፡ ሰጥ ዝበለ ጐልጐል ኣይነበረን። ብሰንኪ ኮርኳሕ ምንባሩ ከኣ ክቡር ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ። ናይቲ ዘይተዳላይ ዋጋ ዘኽፈለን ናህሪ ቃልሲ ዘደነጐየን ተመኩሮ፡ ናይ ግድን ተሓተቲ ኣለዉዎ። እንተኾነ ናይዚ ተሓታትነት ምጽራይ ሎሚ ቅድሚት ዝመጽእ ዕማም ዘይኮነ፡ ንናይ ታሪኽ ተመራመርትን ክኢላታትን ተገዲፉ፡ ብምሉእ ቀልብና ንቕድሚት ኣብ እነማዕድወሉ ግዜ ኢና ንርከብ ዘለና። ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕ ሕሳባት ምድብላቕ ግና ከምዚ ሓሓሊፉ ከጋጥመና ዝጸንሐ ኣብ ዘይውጻእ ዕንክሊል እዩ ዘንብረና።

መስርሕ ቃልስና፡ ተቓለስቲ እንዳተቐባበሉ ዘቐጸልዎ ናይ ወለዶታት ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሸቶ እውን ሓደ ሸቶ ኣመዝጊብካ ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ብምስጋር ክመሓደር ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ሰንሰለታዊ መስርሕ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ነቲ ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይድካ ናይ ጣዕሳ ዝመስል ዘርባዕባዕ ገዲፍካ፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለስ ባይታ ደልዲሉ ምርጋጹ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን በሪኽ ህዝባዊ ወሳንነትን ከኣ፡ ጌና ኣብ መስርሕ ዘለዉ፡ ካብ ልኡላውነት ሃገር ኣትሒትካ ዘይረኣዩ ዛዕባታት እዮም። ምኽንያቱ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ፈላሊኻ ዘይረኣዩን እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ጐደሎ ስለ ዝኾኑ።

እቲ ምትኽኻእ ወለዶታት ኣብ ቃልሲ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብፍላይ ጐሊሑ ዝረኣየሉ መሰጋገሪ ምዕራፍት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ቃልስና ድሕሪ ልኡላውነት ኤርትራ ምርግጋጹ፡ እቲ ናብዚ ዝበጽሐ ወለዶ፡ ንቐጻሊ ዕማም ነቲ ቀጻሊ ወለዶ ከረክበሉ ዝግበኦ ጥጡሕ  እዋን ነይሩ። እንተኾነ እቲ ብመስርሕ ሓላፍነት ከረክብ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቐላሲኡ ጉጅለ፡ ብስስዐ ስለ ዝዓወረ፡ “ሎሚ እውን ኣነ እየ ዋና” ዝዓይነቱ ምስ መድረኽ ዘይቃዶ ሕማም ስለ ዝሓደሮ ኣይተኻእለን። ከምኡ ብሰንኪ ምዃኑ ከኣ፡ ህዝብናን ሃገርናን በቲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈልዎ እሞ ክሕበንሉ ዝግበኦም ዋጋ፡ ዳርጋ ኣብ ዝጠዓስሉን ዝሓፍርሉን ኩነታት ወዲቖም ኣለዉ።

እቲ ናይ ወለዶታት ናይ ቃልሲ ምርኽኻብ ኩሉ ግዜ ብጽቡቕ ድሌትን ጥጡሕ መንገድን ኣይፍጸምን እዩ። እቲ ከረክብ ዝግበኦ ከም ህግዲፍ ኣብ ተመኩሮና፡ ዘልሓጥሓት ክብል እንከሎ፡ እቲ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሕድርን ሓላፍነትን ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ፡ ብሕዝግድፍ ዘይኮነ፡ ተወዲቡን ስኑ ነኺሱን ናብ “ኣነ እየ በዓል ሕድሪ እሞ ኣረክበኒ” ናይ ምድፋእ ሓላፍነት ኣለዎ። ክንዝንገዖ ዘይግበኣና  እዚ ስንኻ ምንካስ እውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ነዚ ዋጋ ዝኸፍሎ ከኣ እቲ ናይ ወለዶታት ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ በዓል ዕዳ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ትውልዳዊ ሓላፍነት ምርካብ በቒዕዎዶሎ ኣይበቐዖን? ባዕሉ ክምልሶ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። እዚ ዕዳዚ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኻልእ ከይተደፍአ ብናቱ ትግሃትን ተበግሶን ክኸፍሎ ዝግበኦ እዩ። ነዚ ክትከፍል ምብቃዕን ዘይምቃዕን ከኣ ነዚ ትውልዲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ እዩ።

ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ዲግ ኣቢሉ፡ ነቲ ሓላፍነት “ክሳብ ዕለተ-ሞተይ ደኣ ጀሆ ይሕዞ እምበር ኣየረክብን” ከም ዝበለ ብዙሕ መረጋግጽታት ኣለና። ብቑዕ ተረካዊ ኤርትራዊ መንእሰይ ምእንቲ ከይፍጠር፡ ዩኒቨርስትን ካለኦት ትምህርታዊ ትካላትን ምዕጻዉ ጥራይ እኹል መረጋገጺ መኾነ። መንእሰይ መወዳእታ ኣብ ዘየብሉ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል መጸባበቒ ስም ኣብ ዝተዋህቦ፡ ብተግባር ግና ካብ ባርነት ኣብ ዘይፍለ ኣርዑት ምቑራኑ እንተ ወሲኽካሉ ከኣ ስሱዕን ናይ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ”ን ባህርያት ናይቲ ዘይህዝባዊ ስርዓት  ዝያዳ ይበርሃልካ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብኣንጻሩዚ ተግባራት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጸቢብ ጉጅለ፡ ወትሩ ኣብ ወሳኒ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ምስግጋር ወለዶታት ይኣምን። ኣብ 2ይ ጉባአኡ ንመንእሰይ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡ “ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራን፡ ናብ ክዉንነት ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ እዋን ቀዳምነታት ኮይኑ ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ። ……… ብዘይካ' መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንክሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።” ዝበሎ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለምን ሰፋሕቲ መዳያትን   ዘካይዶ ዘሎ ዲክታተርን ዲክታተርነትን ናይ ምቅላዕ ጻዕሪ ዝነኣድ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ምርካብ  ትውልዳዊ ግቡእ ይጽበዮ ከም ዘሎ  ንኸይዝንግዕ ከኣ ብኣንክሮ ነዘኻኽሮ።

ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዝእታዊ መቑረንቲ ኢጣልያ ንልዕሊ 50 ዕዓመታት ጸኒሓ ኢያ። ኢጣልያውያን ንኤርትራ ከም መንበሪቶምን ናብ ካልእ ሃገራት ንከስፋሕፍሑ  መንጠሪትን ገይሮም ስለዝወሰድዋ ንርእሶም ኢሎም ሓያለ ትሕተ-ቅርጻታት፡ ፋብሪካታትን ናይ መጉዓዝያ ናውትን ወደባትን ተኺሎምላ ኢዮም። ንከተማ ኣስመራ ብቕዲ ናይ ከተማታቶም ሃኒጾም ከጸብቕዋን ከማዕብሉዋን ውን ተራእዮም ኢዮም።

ድሕሪ መግዝእቲ ጣልያን ዝተተኽኡ መግዛእታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ግን፡ ነቲ ብጣልያን ዝተገድፈ ንህዝቢ ኤርትራ ክጠቅም ዝኽእል ዝነበረ ስልጣኔታት ሰሪቐሞን ኣብሪሰሞን። ከም ኣብነት ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ተዘርጊሑ ዝነበረ ናይ ገመድ ተለፈሪካ ተማሕዩ ተወሲዱ። ስርዓታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቲ ልዕሊኦም ኮይኑ ዝጸንሐ ምዕባለ ኤርትራ ንታሕቲ ክድቆስ ካብ ምስራሕ ሓሊፎም ንከማዕብልዎ ዘይሕሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ  ኣብ ኤርትራ ዝጸንሖም ፋብርካታት  ቦንቂሮም ወሲዶም ኣብ ዓዶም  ከምዝትከል ገይሮሞ ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ማሎም ንከውፍሩ ንዝደልዩ ዝነበሩ ሃብታማት ውን ፍቓድ ተኽሊእዎም ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ከውፍርዎ ይቕሰቡ ምንባሮም ታሪኽ ዝመዝገቦ ኢዩ። ካብ መግዛእቲ ዕቤትን ብልጽግናን ስለዘይርከብ፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ 30 ዓመታት መግዝእቲ ንኤርትራ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረቶ ምዕባለ ንድሕሪት መሊስዋ ኢዩ።

“ሃገር ናጻ ገይረ ብልጽግናን ፍትሕን ክስፍን ኢየ” ዝበለ ናይ ደቂ-ሃገር መንግስቲ'ኸ እንታይ ገበረ? ንኣናባብራ ሃገር ከመይ ሓዞ? ነቶም ቀንዲ ረቓሒታት ዕቤት ሃገር ተኸተልዎዶ? ንዝብል ሕቶታት ካብ እንሪኦም ክኾኑ ኢዮም።

 ኤርትራ ዘይምዕብልትን ዘይቅስንትን ሃገር ኮይና ክትነብር፡ ብዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ዝተታሕዘ መደብ ኢዩ። ብዘይ ሃገር ዝምርሓሉ ሕግን፡ ብዘይ መላእ ተሳትፎ ህዝብን፡ ብዘይ ናይ ግዳም ምትሕግጋዝን ክረጋገጽ ዝኽእል ዕቤት ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝተራእየ የለን። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነዚ ሓቂ'ዚ ኪሒዱ ኢዩ “ሃገር እመርሕ ኣሎኹ” ዝብል ዘሎ። ህዝቢ ኩሉ ጸጋታቱን ዓቕምታቱን፡ ንብረቱ፡ ፍልጠቱ ኣውፊሩ ዝዋስኣሉ ሰርዓት ከይተፈጥረ፡ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ምባል ትም ኢልካ ዘሎ ጃህራ ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ ነይሩ።

ኤርትራዊ ካብ ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ ሃገር ነቒሉ ብዘለዎ ዓቕሚ ሃገሩ ክሃንጽን ከማዕብልን ተበጊሱ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ዲዩ ኣብ ርሑቕ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ገለ ብሃብቶም ገለ ድማ ብፍልጠቶም ዓዲ ኣትዮም ክሰርሑ ብብዝሒ ኣትዮም ኢዮም። ብዝረኸብዎ ጸቢብ ዕድል ገሊኦም’ውን ወፍሪታቶም ጀሚሮም ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ግን፡ ኣማሓድራ ናይቲ መንግስቲ  ስድሪ ከኺዶም ስለ ዘይከኣለ፡ ግዜኦም ኣባኺኖም፡ ዘፍሰስዎ ገንዘብ ከሲሮምን ንብረቶም ደርቢዮምን ነናብ ዝነበርዎ ሃገራት ተመሊሶም። ብዙሓት ካብዞም፡ ኣብ ዓዲ ክሰርሑ ፈቲኖም ዘይኮነሎም፡ ሰብ ሙያን ሃብትን ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ከንያ፡ ኣንጎላ፡ ኮንጎ ወዘተ... ከይዶም ርእሶም ተረቢሖም ነተን ሃገራት ውን ገዘፍቲ ስራሓት ኣብ መዳያት  ትሕተ-ቅርጻ፡ ኣባይትን ኤለክትሪካዊ ጸዓትን መጉዓዝያን ክሰርሑለን ኪኢሎም ኢዮም። እዚ ኹሉ ኣብ ግዳም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሃብትን ፍልጠትን ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣትዩ ክሰርሕ ምቹእ ኩነታት እንተዝፍጠረሉ ብርግጽ ኤርትራ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ምተቖጽረት ነይራ።

ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሉ ግዜ ናብ ቅድሚት ምህዳም ኣመሉ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ክገብሮ ዘይክእል ክንገብር ኢና፡ መደብ ሒዝናሉ ኣለና እናበለ ከደንዝዞ ኢዩ ዝርአ። ክንገብር ኢና'ምበር እዚኣ ጌርና ኣለና ክብል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ናይ ዝስተ ማይ፡ ናይ ኤለክትሪክ፡ ናይ ኣባይቲ ውዘተ..... ሕቶታት ኩሉ-ግዚ ንዓመታት እናተሓተቱ ዝመጹ ኢዮም። መልሶም ድማ፡ ከም መደባት ሒዝናዮም ኣለና ዝብል እንተ ዘይኮይኑ፡  ክንድዚ ሰሪሕና ክንድዚ ተሪፍና ዝብሃል የለን።

ዳርጋ ሰላሳ ዓመት ኣብ ስልጣኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ (እዚ ክንድቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ እዋን ማለት ኢዩ) ኣብ ዕለት 9 የካቲት 2020 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ኣብ 1991 ዓ.ም ኮይኑ ዝዛረቦ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ንሰላሳ ዓመታት በይኑ ኮይኑ ከም ዘይመርሐ ኣብዚ ሃገር ንቁጠባዊ ወፍሪ ክኸውን ዝኽእል ባይታ ከምዘየለ ክገልጽ ተሰሚዑ። ጽርግያታት፡ ወደባት፡ ጽዓት፡ ፋብሪካታት ዝብሃል ኣብቲ ዓዲ ከምዘየለ። ናይ ማይን ኣባይትን ቀረባት ካብቲ ከዐውትዎ ዘይከኣሉ ንሂወት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ከምዝኾኑ፡ ናይዚ ምኽኒያት ድማ ብቀንዱ ጉድለት ምምሕዳርን ሙያን ከም ዝኾነ ገሊጹ። "ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምጽዋዕ ሎሚ የላን። ዝነበረ ፋብሪካታት እንዳ ዓለባ፡ እንዳ ጥርሙዝን ካልኦትን ኩሉ በሪሱ ኢዩ የሎን።" ክብል ተሰሚዑ ዲክታቶር ኢሰያስ። ኢትዮጵያ ተሳዒራ ክትውጽእ ከላ ኣብ 1991 ተዳኺሙ እምበር እዚ ፋብሪካታት ነይሩ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓቲ ብዱዕ፡ ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክገብራ ኢየ ዝብል ዝነበረ ብዱዕ ዲክታቶር ኢሰያስ ኢዩ፡ እቲ ኩሉ ዝነበረ ሃብቲ ሃገር በሪሱ።

ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሰያስ ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ እቲ ዝዓበየ ክሳራ ኣብ መደብ ስርዓተ ትምህርቲ ኢዩ። ኢሰያስ ብዝተኸተሎ ፖሊሲ ስርዓተ ትምህርቲ ብቑዓት ሰብ ሙያ ከፍሪ ከምዘይክእል ብዓንተብኡ ዝተፈልጠ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን ናይ ኩሉ መዳያት ህይወት ናይታ ሃገር ባዕሉ ኢሰያስ ገባራይን ሓዳጋይን ኮይኑ ዝመጻሉ መስርሕ ናይ ኩሉ ፍሽለታት ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንዝተኸስረ ዝኽሕሰሉ ኣብ ክንዲ ምድላይ ካልእ ሰበባት ንምርካብ ምፍታኑ ኢዩ።

ኤርትራ ነዚ ሕጂ እትሓልፎ ዘላ መንገዲ ኣወጊዳ ክትመጸሉ እትኽእል፡ ብልጽግናን ቅሳነትን እትጎናጸፈሉ ኣገባብ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ንመላእ ህዝቢ ዘሳትፍ፡ ብሕጊ ዝምራሕ ንዘለዎ ሃገራዊ ጸጋታት ብማዕረን ፍትሕን ዝጥቀም ስርዓት ምኽታል ነይሩ።

ህዝቢ እንዳተወራረሰ ንወለዶታት ዝቐጽል ከም ባሕሪ ዝምሰል ናይ ኩሉ ዕቤት ሰፊሕ መሰረት እዩ። ሓደ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ምንጪ ሓያልነትን ቀጻልነትን እዩ። ብመንጽርዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ኣካል ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ ሃገሩ ዝነበረ፡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሃገርን ህዝብን ንእንታይነት እቲ ጉዕዞ እንተ ንልምዓት እንተ ንጥፍኣት ካብ ዝውስኑ ረቛሕታት ሓደ፡ እቲ ህዝቢ ዝምረሓሉ ሕግን ንዓኡ ዘተግብር በብግዜኡ ዝቀያየር መንግስቲ ዝጥቀስ እዩ።

ብባህሪቲ  ንሓንቲ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ ዝጽለው፡ መጻኢ ዕድል ናይታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝባ መጻኢ ተስፋን ዕቤትን እውን ናይ ምውሳን ተኽእሎ ኣለዎ። ገለ መንግስታት ብኣመጻጽእኦም ኮነ፡ ኣመራርሓኦም ህዝባዊ እዮም። ገለ ምምሕዳራት ከኣ ብኣንጻሩ ዝመጽሉ መንገዲ ኮነ ዘመሓድርሉ ኣገባብ ዓመጸኛ እዩ። ወሳኒ ግደ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ህዝብን መንግስትን ዕድል ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምውሳን አእጃሞም ኣለዎም። እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገር በብጽሒትካ ናይ ምውሳድ መስርሕ ብሃቦ ተረከቦ እንዳመንዛዕካ ዝውሰድ ዘይኮነ፡ ብሕጋዊ ህዝቢ ዝተቐበሎ ሰነድ ዝተደረተ ናይ ኩንትራት ስምምዕ ዝውሰን እዩ። እዚ ሰነዳዊ ስምምዕ፡ እዞም ሰብ እጃም ህዝብን መንግስትን ነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዝገብሩ ዘፍቅድን እንታይ ንከይገብሩ ዝድርትን እዩ። ናይዚ ስምምዕ ቀይሕ መስመር ተረጊጹ ክጠሓስ እንከሎ ከኣ፡ ሚዛን ንምሕላው ቀጻሊ ናይ ሕድሕድ ምቁጽጻር ኣሎ። በዚ ስምምዕ እዚ ተማእዚዝካ ምምራሕን ዘይምምራሕን ከኣ እንታይነት ናይቲ መንግስቲ ዝውስን እዩ። እዚ ስምምዕ ክጠሓስ እንከሎ፡ “እምቢ” ምባልን ዘይምባልን ከኣ ናይቲ ህዝቢ ሓላፍነት ዝምዘነሉ እዩ።

ከም በዓል ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ጉሒላ ጉጅለታት፡ ኣመጻጽእኦም ናይ ዓመጽ ስለ ዝኾነ፡ መስርሕ ምምሕዳሮም እውን ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእል ብተግባር ተራእዩ እዩ። እቲ ደረቶም ከይሓልፉ ንምእዳቦም ዝግበር ቃልሲ ከኣ፡ ዝኾነ መልክዕ እንተሓዘን ክወስዶ ዝግበኦ ግዜ እንተወደን፡ ነቲ ህዝቢ ናይ ምጥላም መስርሕ ምምሕዳሮም ናብ ንቡር ቦታ ንምምላሱ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ናብ ንቡር ባህሪ ናይ ምምላስ ቃልሲ፡ ነቲ ግጉይ መንግዲ ዝሓዘ ኣካል ናብቲ ግቡእ ቦታኡ ብምምላስ ዝሳለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ካብ ንግሆኡ ጌጋ መንገዲ ዝመረጸን ካብቲ ሓቂ ኣዝዩ ዝረሓቐን፡ ምእንቲ ሓቀኛ ስርዓትን ልዕልና ሕግን ዝርህርህ ባህሪ ስለ ዘየብሉ፡ ካብቲ መስርሕ ግሒጥካ ብምእላዩ ጥራይ’ዩ ዝውገን። ንሕና ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ንምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ኩሉ ትካላቱ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ሸቶ ቃልስና ኣብ ቀዳምነት እንሰርዖ ከኣ፡ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል ኢና። ከምቲ ወለድና፡ “ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ፡ ዳኛ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ” ዝብልዎ፡ ሳዕቤን ሕገመንግስትን ህዝቢ ዝማእከሉ መሪሕ ኣካልን ዘይምህላው ክሳብ ክንደይ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ከም ዝሃሰዮን መዕንደር ዕቡዳት ሓለፍቲ ጉጅለታት ከም ዝኸውንን ከኣ ኣብ ጉዳይና ንርእዮ ዘለና ክዉን ሓቂ እዩ።

ገለ መንግስታት ከተዓሻስዉ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦም መሰማምዒ ውዕል ይህልዎም እሞ፡ ኣጸንትዮም ይጥሕስዎ። ነዚ ክጥዕሞም ከኣ ህዝቢ ነቲ ስምምዕ ዝከላኸለሉ ትካላት የዳኽሙ ወይ ድማ  የፍርስዎ። ንህዝቢ ብጸቢብ ስምዒታት ምክፍፊልካ ኣብ ሕድሕዱ ከምዘይሰማማዕ ምግባሩ ከኣ ካልእ መሳሪሕኦም እዩ። ኩነታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆና  ህግዲፍ ዝያዳ ኣገራሚ ዝኸውን ድማ፡ ንቃለ-ዓለም እውን ሕጊ ዝበሃል ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ነቲ ብቃልሱ ኣብ ዙፋን ዘቐመጦ ህዝብና ከም ዝንዕቆን ዝድንድኖን ዘርኢ እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ክቱር ንዕቀት ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝረአ ዘሎ ኩነታት ህዝብን መንግስትን፡ በብጽሒቶም ፈሊጦም ብሓባር ሃገር ኣብ ዝሃንጽሉን ዝሕልውሉን ኣይኮኑን ዘለዉ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ህልውናኡን ቀጻልነት ልኡላውነቱን ከውሕስ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ልኡላዊ ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከጥፍእ፡ ኣብ ዝለዓለ ናይ ምድሓንን ዘይምድሓንን ወሳኒ ምትሕንናቕ እዮም ዝርከቡ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ሕጋዊ ቀይድን ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮትን ወጺኡ፡ ቅትለት፡ ዓመጽን መን ኣለኒ በሃልነትን ሓሊፉ ብክብሪ ሃገር ምውጋይ ስለ ዝተኸተለ እዩ።

ዘይሩ ዘይሩ ግና መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝምድና ባሕርን ዓሳን ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብድሌት ህግዲፍ ዝደናጐ እምበር ዘይኩለፍ፡ ንዓኡ ዝምጥን ስርዓተ-መንግስቲ ናይ ምፍጣር ድሌት፡ ስልጣንን ዓቕምን ኣለዎ። ጉጅለ ህግዲፍ ብኣንጻሩ፡ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ዘርባዕብዑ፡ ንሓዋሩ ዝዕንድረሉ ህዝቢ ጠፋጢፉ ክሰርሕ፡ ድሌት እምበር ዓቕምን ስልጣንን የብሉን። ሓደ እዋን ህዝብና ከምዚ ጀሚርዎ ዘሎ፡ ብሓደ ቃል “ደጊም ይኣኽለካ ውረድ ካብ ዝባና” ምስ በሎ፡ ካብ ባሕሪ እንተወጺኡ ከም ዝመውት ዓሳ፡ በድኒ ኮይኑ ዝጐሓፈሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ጉጅለ  ኣብዚ እዋንዚ ዝነዝሖ ዘሎ ናይ “ኣለና ማለት” ሓሶት ከኣ ናይ ጻዕረ-ሞት ምልክት እምበር ናይ ሓያልነቱ መግለጺ ኣይኮነን። ጽባሕ ብመሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕልቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራብ ተጸይፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጐዪ ዘሎ መላኽን ጉጅለኡን ዘይተርፍ ዓወት ክምዝገብ እዩ። ህዝብና ከኣ ንክብሩ ዝምጥን ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክምስረት እዩ። ህግዲፍ ከኣ ካብቲ ህዝባዊ ባሕሪ ምስ ተጓሕፈ ካብ ማይ ናይ ዝወጸ ዓሳ ጽዋዕ ክጭልጥ እዩ።

ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ክብርን ቀጻልነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዘይተርፍ ምንቁልቋል ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእዩ ብዙሓት ምልክታት ኣለና ይብሉ ኣለዉ። ንሕና ኣይኮነንዶ ሎሚ ኩነታት ኣብ ባይታ ከመይ ከምዘሎ እንዳረኣናን እንዳሰማዕናን፡ ካብ ቅድም እውን “ህዝቢ ነባሪ’ዩ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ” ዝብል መደምደምታ፡ ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ መሰረታዊ እምነትና እዩ። እቶም ክሳብ ሎሚ ጉዳያት ገላቢጦም “ህግዲፍ ነባሪ እዩ፡ ህዝቢ ከኣ ተሰዓሪ’ዩ ብዝቓንኡ፡ ኣብ ዙርያ ህግድፍ ከምሰስዉ ዝጸንሑ ኩሎም፡ ናብ ልቦም ተመሊሶምን ተናሲሖምን “ህዝቢ ነባሪ’ዩ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ” ዝብል ባይታ ረጊጹ ንዘሎ ሓቂ ክርዕሙ ንጽወዖም።