ንኡስ መደረን፣ ዝርርብን፣ ሓሳባትን ኣብ ከቢድ ጉዳይ ገበን፡ ሓላፍነት፡ ተሓታትነትን፣ ዕርቅን ኣብ ኤርትራ
Wednesday, 07 October 2020 23:47 Written by ብዶር. ቴድሮስ ኣማኑኤል ገብረልዑልመስከረም 2020
ገበትቲ ወይ ውልቀ-መለኽቲ ባዕሎም ብዝፈጥርዎ ርእሰ-ኣዕናዊ ጐነጻት ኰነ ብፍኑው ህዝባዊ ናዕብን ውዱብ ሓይልታትን ተደፊኦም ምውዳቖም ዘይተርፍ ሓቂ ኢዩ። ክወድቁ እንከለዉ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራዊ ውድቀትን፣ ዕንወትን ሓዲጎም እዮም ዝጠፍኡ። ነዚ ዘጠዓዕሙን፣ ዘመቻችኡን ኩነታት ንምጥቃስ፡-
ሀ/ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝባዊ ተቓውሞ ክነጥፍን ከመርሕን ዝኽእል ውድብ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤
ለ/ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መደብን ኣገባብ ቃልስን ስምምዕን ምርድዳእን ኣብ ዘይብሉ ግዜ፤
ሐ/ ናይ ህዝባዊ “ኣይፋል” ብሃልትን ህዝባዊ ተቓውሞ ናይ ምግባር ልምምድን ባህልን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤
መ/ ከምኡ’ውን፡ ኣጽዋር ወይ ነፍጢ ኣብ ኢድ ብዙሓት ኣብ ዝርከበሉ ከም ናይ ሎሚ ኤርትራ ኢዩ።
ሃገርና፡ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዓበይቲ ፈተነታትን፣ ብድሆታትን ከምዘጋጥማ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ካብ’ዚ ብድሆታት ድማ፡ ናይ ሃይማኖታትን፡ ብሔራትን ናይ ፖለቲካ ብዙሕነትን ዝሓቘፈት፣ ብሕጊ እትምሓደርን ሰላምን ስኒትን ዝሰፈናን ሃገር ምህናጽ ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ነቲ ከመጽና ዝኽእል ሃገራዊ ውድቀትን ዕንወትን ኣቐዲምና ከይተፈጥረ እንከሎ ንምውጋዱ ምኽኣል ኢዩ።
ድሕሪ ውድቀት ገበትቲ ስርዓታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጽልእን ሕድሕድ ምፍርራሕን ወይ ምጥርጣርን ዝተመርኰሰ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓሳት ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ሱር ሰዲዱ ይጸንሕ’ሞ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ወይ ዛዕባ ወኒኑ ዕንወት፡ ውድቀትን ናይ ሓድሕድ ምቅትታልን ከስዕብ ይርአ ኢዩ። ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕንወት መንገዲ ክንእለ እንተደኣ ኴይና፣ ንሰላም ዝዓለመ፡ ኣብ ስምምዕን ምክእኣልን ዝተመርኰሰት ሃገር ንምህናጽ፣ ሎሚ ጌና ብእዋኑ እንከሎ ካብ ሕራቕንን፡ ቁጠዓን ርሒቕና ብጥንቃቐ ክንግምጎምን መልሲ ክንረኽበሉን ዝግባእ ዓበይቲ ሕቶታት ኣሎ።
እዚ’ውን፡ ብዛዕባ በደልን፡ ገበንን፡ ሓላፍነትን፣ ተሓታትነትን፣ ዝምልከት ሕቶታት ክንዛረበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዝተኻእለ መጠን፡ ንብዙሓት ብሕልፊ’ኳ ነቶም ብዙሕ ዝተበደሉ፡ ዝተቐጥቀጡን ዝተገፍዑን ዜጋታት ዘዕግብ፣ ኣብ ሕጋውን ናይ ሞራላዊ ፍትሕን
ዝተመርኰሰ ሃገራዊ ስምምዕ ምግባር ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ሃገራውን ሕብረተ-ሰብኣውን ውድቀትን ዕንወትን ከውጽኣና ዝኽእል መንገዲ ዕርቅን ስኒትን ጌና ብእዋኑ ምንዳይ የድሊ። (1)
ሓደ ካብ’ቲ ብእዋኑ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ከቢድን ኣገዳስን ሕቶ፡ ነቶም በዚ ስርዓት ንነዊሕ ዘመናት ዝተበደሉን፡ ዝተቐትሉን፡ ዝተገፍዑን፣ ዝተሳቐዩን ወገናት ናይ ሕልናን ሞራልን ፍትሒ ምሃብ ጥራይ ኣይኰነን። እንታይ’ደኣ፡ ስቅያቶም ብምርዳእን ድሌታቶም ብምኽባርን ብዝተኻእለ መጠን ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎን ንመብዛሕትኦም ዘዕግብን ሕጋዊ መንገዲ ፍትሒ ምንዳይን ምርካብን ኢዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቶም ነዚ ግፍዕታትን፡ በደላትን ገበናትን፣ ዘተግበሩን፣ ንኽትግበር ዝኣዘዙን ወገናትና ዝገበርዎ ግፍዕን ገበንን መብዛሕቱ ግዜ ብዘይምርሳዕ፣ ብዝገበርዎ እከይ ግብሪ ተጣዒሶም ጌጋታቶም ብምቕባል ምስ ህዝቦምን ሕልንኦምን ክዕረቑ የድሊ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ይቕሬታ ክሓትሉ ዘኽእል መድረኽ ንኽግበረሎም ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር መንገዲ ዘላቒ ፍትሕን ሰላምን ምንዳይ የድሊ። ሃገራዊ ሓላፍነትና፡ ነቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝተቐትሉ፡ ዝተበደሉን ዝተገፍዑን ስቃይን ቃንዛን ምርዳእን ብዝተኻእለ መጠን ፍትሒ ምሃብን ምኽሓስን ጥራይ ኣይኰነን። ነቶም ሰብኣውን ሕልናውን ሓላፍነቶም ብምርሳዕ፡ ነቲ እኩይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ንክፍጸም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣጣሚሮምን ኣፎም ዓቢሶምን ዝዕዘቡ ዝነበሩን ዘለዉን ሰባት’ውን የጠቓልል። ብዙሓት ካብኣ’ቶም እውን፡ ትማሊ ህዝቢ ብዕልልታን፣ ብእምብልታን ተቐቢሉ ዕዉር ተኣማንነትን ዓቢ ትጽቢትን ዘንበረሎምን ኰስኲሱ ዘዕበዮምን ተጋደልቲ ደቁ ኢዮም። እዞም ኤርትራ ነጻ ሃገር ንኽትከውን ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበሩን መስዋእቲ ዝኸፈሉን ብስዉኣቶምን ብውድቦምን ብዙሕ ዝሕበኑ ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ሎሚ ኣብ ውድቦም ዝመስረቶ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም፡ ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ኰነ ኣብ ልዕሊ ዝተቓለስሉ ህዝቦም ዝፍጽሞ ግፍዒ፡ ማእሰርትን መቕተልትን ካብ ምክልኻል ተቖጢቦም ይርከቡ።
ነዚ ኣብ ኤርትራ ወዲቑ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት’ሲ መን’ዩ ተሓታቲ? መን’ዩኸ ሓላፍነት ዝወስድ ዝብል ከቢድ ሕቶ ብጥንቃቐን፡ ብህድኣትን፣ ብዘይ ቂምን ሕርቃንን ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ነፍስወከፍ ሰብ ብውልቁ ደረጃ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክብል፡ ነዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን፡ ሕብረተ-ሰብኣውን ባህላውን ግፍዕታትን፣ ጭካኔታትን ዝገብርናዮ ኣስተዋጽኦ ንውሽጥና ብምብርባር ሕልናና ብምፍታሽን ገምጋም ምግባር ከድልየና ኢዩ። “እቲ ካባኻትኩም ሓጥያት ዘይብሉ፡ ቅድሚ ኵሉ እምኒ ይደርቢ” (2) ዝብል ኣስተምህሮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መበገሲ ምውሳድ ጠቓሚ’ዩ። እቲ ዕማም ወይ ዕላማ፡ ነቶም ዝተበደሉ ምኽሓስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም በደልቲ’ውን ብምእራምንን ብምጽጋንን፡ ንሕብረተ-ሰብና ምድሓንን ምሕዋይን ኢዩ።
ኣብ ሃገርና ሰላም ዝሰፈኖ ናይ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ብሔር፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ቅዋማትን ብዙሕነት ዘማእከለ ሕብረተ ሰብን፣ ስርዓትን ክምስረትን ክትግበርን እንተደኣኰይኑ፤ ካብ ምትፍናን ዝርሓቐ፡ ናይ ምቅርራብ፡ ምርድዳእን ሕድገታትን፣ ህዝባውን ሃገራውን ናይ ዕርቅን ሰላምን ዘተ ክጅመር ወሳኒ ኢዩ። መበገሲ ጅማሮ ነዚ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘተ፡ ነቶም ትማሊ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን በቲ ንነዊሕ ዘመን ስልጣን ብሒቱ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራን፣ ከምኡ’ውን፡ ካልኦት ኣብ ሃገርና ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ውድባትን ዝተበደሉን ዝተግፍዑን ወገናትና ንድሕሪት ተመሊሱ ዝርኢ ኣዕጋብን ኣሕዋይን ፍትሒ ምሃብ ኣብ ሃገርና ሰላም ንኽመጽእን ቐጺሉ ድማ ዘለኣለማዊ ንምግባርን ወሳኒ’ዩ። ብሕልፊ’ኳ ነቶም ብሃይማኖቶም፡ ቀቢልኦም፡ መበቆሎምን፣ኣውራጃኦምን ኰነ ፖለቲካዊ ኣቛሞመን መርገጻቶምን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ናይ ሕልና እሱራት ይምልከት።
ይኹን እምበር እቶም ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ቍጥዐን ሕርቃንን ዝነቐለ ኣብ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ተግባራት ከይጽመዱ፣ ኣብ ናይ ውልቃውን ሕብረተ-ሰብኣውን ዕንወት መጻወድያ ከይወድቁ ኣዝዩ ጥንቃቐ የድሊ። ከምኡ’ውን፡ እቶም ደገፍትን ሰዓብትን ንምድላብን፣ ንምጥርናፍ ብምባል ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝርከብ ኣሉታዊ ፍርሕታትን ምጥርጣርን ብምቕስቃስ፡ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ጐንጽታት ብምውላዕ፡ ባህላዊ ትምክሕትታትን ንኻልኦት ናይ ምንእኣስን ምንዓቕን ባህርያት ተዕጢቖም ዝቕስቅሱን “ክተት ከይትዝመት፡ ጽናዕ ከይትምናዕ” እናበሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ምትፍናን ዝፈጥሩ ውልቀ-ሰባት፣ ኣብ ሓላፍነት ዝተመርኰሰ ናይ ብዙሕነት ሰላም ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕርታት ኣወንታዊ ተራ ኣይክህልዎምን ኢዩ። ስለ’ዚ እውን፡ ብዙሕ ኣድህቦን ጊዜን ምሃቦም ኣየድልን።
ብዛዕባ ገበን (ወንጀል) ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዘሎና ኣርኣእያ ሓባራውን ብዙሓት እንሰማምዓሉን እነካይዶ ዘተን ዝርርብን ካብ ታሪኽን ልምድታትን ከም ናትና ዝኣመሰለ ሽግራት ዘሕለፉ ህዝብታትን ሃገራትን ምምሃር ከድሊ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ መንጐ ገበንን ሓላፍነትን ዘሎ ዝምድናን ፍልልያትን ብምርማርን ብምብራህን “ኣይኸማን (Eichmann) ኣብ እየሩሳሌም ጸብጻብ ኣብ ምቍንጻብ (ምንእኣስ) ግብረ እከይ” (3) “Hannah Arendt: Eichmann in Jerusalem – A Report on the Banility of Evil” ዝብል ቅድሚ 70 ዓመት ዝተሓትመ ብፈላስፋ ወይዘሮ ሃና አርንደት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም መበገሲ ምንባብ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ንብምልዮናት ዝቝጸሩ ኣይሁዳውያን ብጅምላ እንዳሓፈሰ ኣብ መጽነትን መቕተልን መዳጐኒታት ብምቕያድ ዝመርሐን ዘካየደን ሓላፊ ለ/ኮ ኣይኽማን ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ክስታትን መልስታቱን ዝገልጽ ጸብጻብ ኢዩ፤፤
ወይዘሮ ሃና ኣብ መንጐ ገበንን ሓለፍትን ሓደ ኣገዳሲ ፍልልይ ምህላዉ ይጠቕሳ። ገበን ከም ስነ-ሓሳብ፡ ወይ ኣምር (concept) ሞራላዊ ኰነ ሕጋዊ ብይኑ ንተግባራት ሓደ/ሓንቲ ውልቀ ሰብ ነጺሉ ዝምርምርን ዘመልክትን ኢዩ። ክሲ ገበን ኣብ ጭብጢ ዝተመርኰሰ ሕጊ ዘማእክል፡ ተሓታትነት ውልቀ-ሰብ ዘመልክት ጥራሕ ኢዩ (4) (Collectiv Responsibiliy pp 43-44 and Organized Guilt and Universal Responsibility) ። ገበን ንሓደ ጕጅለ ኰነ ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ብጃምላ ምስ’ቲ ዝተፈጸመ እከይ ግብሪ ብምትሕሓዝ፣ ብምዝማድን ብምጥባቕን ብሓባር ንኹሉ ወይ ንብዙሓት ትርጉሙ የጥፍእ። ኩሉ ሰብ ብሓባር ገበነኛ’ዩ ምባል፡ ገበነኛ የለን ከምምባል ኢዩ ዝቝጸር። ገበን ከም ሓላፍነት ኣይኰነን። ሓላፍነት ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገበን ግን፡ ኵሉ ግዜ ንውልቃዊ ግብሪ ተኸሳሲ ዝምልከት ኢዩ። እዚ ማለት እውን፡ ሓደ ወይ ሓንቲ ሰብ ብዝገበርዎ ስራሕ ናይ ሞራል ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ንዝተገብረ ገበን ሕጋዊ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብፍርዲ የረጋግጽ።
ከም ኩሉ ገባቲ ስርዓት፡ ንሃገርና ብሓይሊ ነፍጢ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ’ውን፡ ኣብ’ቲ እከይን ኣረሜናውን ተግባራቱ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ብትእዛዝ ኰነ ብተጽዕኖ፣ ብምፍርራሕ ኰነ ብምድፍፋእ፣ ገሊኦም ድማ፡ ብገዛእ ድልየቶም ወይ ብገዛእ ፍቓዶም ተሳትፎ ክህልዎም ይጽዕር። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ናይ ብዙሕ ህዝቢ ወይ ናይ ሓፋሽ ተሳትፎ ክሕልዎ ንምግባር ይሰርሕ። እዚ’ውን ንብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይደልይዎን ዘይኣወይ ናይ ምንሉን መጻወድያ ሰበብ ምእታው ዘላቒ ረብሓ ኣለዎ ካብ ዝብል ተንኰለኛ ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ብዘይድሌቱ ኣብ ዓመጽን ቅትለትን ኢዱ ዝተጨማለቐ ውልቀ-ሰብ ነቲ ስርዓት ፍጹም ተኣማንነቱ ዘረጋግጸሉ ተግባር ስለዝመስሎ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ካብ ጭቆና ኣምሊጡ፡ ተሰዲዱ፡ ብትብዓት ንዝፈልጦ ግፍዕታት እቲ ስርዓት ነጊሩን ኣጋሊጹን ንፍትሒ ምስ ዝቃለስ፡ ስሙ ንምጽላም ንዘረባኡ ሰማዒ እዝኒ ከይርከብ ንምግባር ይጠቕመኒ ኢዩ ኢሉ ስለዝገምገመ ኢዩ። ብሓጺሩ ንምጽሟቕ “ኣብ’ታ መዓልቲ ሓቂ፡ ፍትሕን ፍርድን ኩሉ ገበነኛ እንተዘይኰይኑስ፣ ገበነኛ እውን ኣይክህልውን ወይ ኣይክርከብን እዩ” ዝብል ናይ እኩያት ኣተሓሳስባ ኢዩ።
ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኵሉ ግፍዕን ቅትለትን ተሓታቲ ሓደ እንኮ ሰብ። ማለት ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ጥራሕ ምግባር ወይ ኣብ’ቲ ሃገር ናይ መላኺ ውልቀ-ሰብ መንግስቲ ኢዩ ዘሎ ዝብል ሓሳብ ናይ ብዙሓት ርእይቶ ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ፡ ናይ’ቶም ትማሊ ናይ’ዚ መንግስቲ ደገፍትን ሰበስልጣናትን ዝነበሩ ሎሚ ኢዶም ሓጺቦም “ሰይጣን መንጠለና እምበር፡ ኣይሃብናዮን ስልጣን” ዝብሉ ሰባት ርእይቶ ኢዩ። እዚ መርገጽ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ንመጻኢ ለውጢ ንምቅልጣፍ ምቹእ ኩነታት’ውን ይፈጥር ይኸውን። እቲ ገበንን ሓላፍነትን ኣብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብ ዙርያኡን ዘለዉ ውሱናት ተሓባበርቱ ምድራቱ ንዝመጽእን ንእንደልዮን ናይ ሓቂ፡ ዕርቅን ሰላምን ሃገራዊ ምይይጥ ዕዉት ንክኸውን ዘጥዓዕም ኩነታትን መንገድን ክፈጥር ይኽእል። ንብዙሓት ነዚ ስርዓት ብዝተፈላለየ ኣብ ስልጣን ዘምጽኡን ዘጽንሑን ሰባት ግን ካብ ናይ ሕሊና ተሓታትነት ወጻኢ ወይ ንላዕሊ ነጻ ስለዝገብሮም ኢዩ።
ይኹን’ምበር፡ ኩሉ ዲክታቶርያውን ገባትን ስርዓት ኣብ ሃዋህው ኣይኰነን ዝምስረት። ውልቀ-ምልክነት ሱር ንኽሰድድ፡ ንኽጥጥዕን ንኽዕምብብን ዘድልይዎ ፍሉይ ሕብረተ-ሰብኣውን፡ ታሪኻውን፣ ስነ-ኣሙራውን ኩነታት እውን ወሳኒ ኢዩ። ገባቲ ስርዓት ንኽነግስን ክህነጽን ካብ ዝገብሮ ሓደ ዋና ምኽንያት፡ መብዛሕቱ ሰብ ስቕ ብምባሉ ምስ’ቲ ስርዓት ዘርእዮ ዘይቅኑዕ ምትሕብባር ኢዩ። እዚ ማለት’ውን፡ እቶም ከይዓወሩ፡ መታን ከይርእዩ ናብ ካልእ ገጾም ዝጥምቱ፣ እቶም ንዝርኣይዎ ከስተውዕልሉ ዘይደልዩ፣ እቶም እናሰሞዑ ክነሶም፡ ኣውያት ህዝቦም ከይሰምዕ ኣእዛኖም ዝጸመመ ፣ እቶም ዘይዓባሳት ግን ከኣ ቃንዛ ህዝቦም ዘይነግሩን ዘይዛረቡን ብዙሓት ሰባት ኢዮም። ኤርትራውያን ንነዊሕ ዘበን፡ “ንዝተሾመ ተኸተሎ፡ ንዝተሳዕረ ተሰበሎ” ብዝብል ያታዊ ብሂል፤ ንውልቀ-መላኺ ኤርትራ ብዕዉር እምነት ክኽተልዎን ከመጕስዎን ጥራይ ዘይኰነስ፤ እቲ ስርዓት ንዝኣሰሮምን ዝበደሎምን ሰባት እውን ክስበልዎም፤ ናይ’ቲ ስርዓት ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሸለል ክብልዎን ክጸርዎን ተራእዮም ኢዮም። ሃገር ኤርትራ ድሕነታን ህላዌኣን ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝደልዩ ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ተጻብኦ ብዙሕ ኢዩ ዝብል ምኽንያት ቀንዲ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ገባቲ ስርዓት ውዒሉ ሓዲሩ ግፍዕታቱ ኣብ ህዝቢ ብምሉኡ ስለዘስፋሕፍሕ፡ ካብኡ ዝተርፍ ወይ ዘምልጥ የለን። እቶም ስቕ ብምባል፡ ብምውዳስን ብምትሕብባርን ካብ ጩግራፍ ጨቋኒ መንግስቲ ከድሕኑ ዝሓስቡ ሰባት’ውን “ዕገብ ዘይብል ንጎይታኡ ሽግር ይዀውን ምሳኡ” ከምዝብሃል ካብ መቕዘፍቲ ኣየምልጡን ኢዮም።
ኣብ ሃገር ኤርትራ ንዝተፈጸመ ኩሉ ወይ መብዛሕትኡ ገበናትን መቕተልትን ብኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባትን ባዕሎም ብኢዶም ዝፈጸምዎ ኣይኰነን። እቶም ንግብረ-እከይ ዝኣልሙን፡ ዝእዝዙን ዝብይኑን ሰባት፡ ካብ’ቶም ዘተግብርዎን ዝፈጸምዎን ሰባት ዝተፈለዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ርሕቀት ዘለዎም ሰባት ኢዮም። ስለዝዀነ’ውን፡ ክሲ ኣብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ፡ ብዘየጠራጥር ጭብጥን ምስክርነትን ንገበነኛታት መሚኻ ፍትሓዊ ብይን ምሃብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ልክዕ ኢዩ፡ መራሕቲ ሃገር ብምሉኡ ናይ ሓባር ኣዘዝቲ ሓላፍነት ስለዘለዎም፡ ሓላፍነቶም ብምርሳዕ ክኽሰሱን ኣብ ፍርዲ ምቕራብምን ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ምስ ዝኸውን፡ ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሓላፍነትን ገበንን ዘቃልዑ ምስክርነትን መርትዖን ካብ ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት ከምዝመጽእ ዘየጠራጥር ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ስርዓት ብፍኑው ህዝባዊ ናዕቢ እንተተዓልዩ መራሕቲ ህግደፍ ብቝጡዕ ጭፍራ ኣብ ጐደናታት ብገመድ ተንጠጢሎም ከምዝሕነቑ ኣየጠራጥርን። እቶም ነዚ ገባቲ ስርዓት ብሓላፍነትን ብእምነትን ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ ግን ኣብ ስደት ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ ዘለዉ መጋበርያታቱ፣ ብዝገበርዎ በደል ዘይጕህዩን ዘይጥዓሱን፣ ንዝፈልጥዎ ምስጢራት’ውን ንህዝቢ ዘይምግላጾምን ዘገርም ነገር ኢዩ። ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኢዮም ብገበን እንተተኸሲሶም ኣብ ሓራ ሃገር፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝምስረት ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ድልዋት ምዃኖም ዝገልጹ (5) ።
ኣብ ሃገርና፡ ዘበነ ሕገ-ኣልቦነት ሓሊፉ፡ ነጻን ፍትሓውን ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝምስረት ነዊሕ ግዜ ምውሳዱ ኣይተርፍን ኢዩ። ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ዝመጽእ ግን፡ ኣፍካ ለኵትካ ትም ምባል ምምራጽ እንደልዮን እንጽበዮን ናይ ሰላምን ዕርቅን መስርሕ ዘዳናጒ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ’ውን፡ ጕዕዞ ሃገራዊ ዘተ ንሓቂ፡ ንዕርቅን ሰላምን ብዓወት ክዛዘም እንተደኣ ኰይኑ፣ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይዕበ ይንኣስ ኵሉ ሰብ ሓላፍነቱ ምቕባል የድሊ። እንተበዲሉ’ውን፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቶም ዝተገፍዑ፡ ብህይወት ምስ ዘይህልዉ፡ ንቤተ-ሰቦም ይቕሬታ ምሕታት ወሳኒ ኢዩ። ሓላፍነት ምቕባል እንተውሓደ ናይ ሞራልን ሕልናን ተሓታትነት ምቕባል ኢዩ።
ሓላፍነትና ምስ እንቕበል ጥራሕ ኢና ነቶም ዝተበደሉን ዝተገፍዑን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍትሒ እነረጋግጸሎም። ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንኹሉ’ቲ ዝፈልጥዎ ዝተፈጸመ ገበናት ብምምዝጋብን ሰነዳት ንዓለምለኻዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ከፍልጡ ዓብዪ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም (6) ኩሉ እንፈልጦ ጭብጥታት ብምእካብን ብምምዝጋብን ጥራሕ ኢና ነቶም ዝተበደሉን፡ ዝተገፍዑን ዝተቐትሉን ወገናትና ብምዝካር ዝሓለፈን ዘሎን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታት ክንፈትሕ እንኽእልን ከይድገም እንከላኸልን። እቶም ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት ምስ ዝምስክሩ ጥራሕ ኢና ንመጻኢ ህይወትና ካብ ናይ ዝሓለፈ ግፍዕታት ብፍትሒ እንፍውሶን ንሃገርና እውን ብዘይ ጐነጽን ዕንወትን ኣብ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ጐደና ከነሰጋግራ እንኽእል።
ገባቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዘመን ህግሓኤ ጀሚሩ ዝጥቀመሉ ፍሉይ ኣገባብ ስርሑን ባህርይኡን ኩሉ ብምስጢር ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ፡ ካብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናብ ታሕተዋይ ኣተግብር ብዘይ ሕቶ፣ ብዘይምጥርጣር ትእዛዝ ክትፍጽምን ከተፈጽምን ይጽበ (7) ። ልክዕ ከም’ቲ እሱር ሰብ መኽሰሲኡን መእሰሪኡን ዘይፈልጦ፡ እቲ ኣሳርን ትእዛዝ ኣተግባርን’ውን መዳጐኒ እሱር ካብ ምጥርጣር ሓሊፉ ዝፈልጦ የብሉን። “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል” ዝብል መትከል ኣሰራርሓ’ቲ ገባቲ ጉጅለ ኰይኑ፣ ብዛዕባ እሱር ሓውኻ፡ ሓፍትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻን ብጻይካን “ኣይትንገር፡ ኣይትሕተትን ኣይተጻርን” መርሖኦም ኢዩ። ከም ኣብ መጽሓፍ ፍራንዝ ካፍካ (Franz Kafka – The Trial) ዝተባህለ ደራሲ ዝዛረበሉ ፍትሒ ኣልቦ ስርዓት እንዳ ህግደፍ’ውን ሓደ ሰብ ምስ ዝእሰር ህላዌኡ ኣብ’ዛ ዓለም ከምዘይነበረ፡ ታሪኹ ክሕከኽ፡ ኩሉ ዝረስዖ ዋላ ሓደ ዘይዝክሮም ፍጡር ንምንግባር ጻዕሪ የካይዱ (8) ። ስለዝዀነ’ውን፡ ሓቀኛ ፍትሕን ዕርቅን ዘናዲ ዝርርብን ምይይጥን ብዛዕባ ገበን፣ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ምክያድ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ኣይክተርፎን ኢዩ።
እቶም ነሕዋቶም ዝኣስሩ፡ ዘጋፍዑ፡ ዝቕጥቕጡን ዝቐትሉን እውን ባዕዳውያን ዘይኰኑስ ኤርትራውያን ከማና ኢዮም። ሓቀኛ ስሞም ንኸይፍለጥ ዝተኣልመ ተንኰል ይመስል ምሉእ ኣስማቶም ዘይፍለጥ፣ ብኣናሻውን ኣቖናጺባን ብሳጓ ዝጽውዑ ወይ ከኣ ወዲ እከለ፡ ወዲ ጓል
እከለ ጥራሕ ተባሂሎም ዝፍለጡ መራሕቲ ጋንታ፡ ኣዘዝቲ ሓይሊ፡ ሓለፍትን መርመርትን ውልቀሰባት ኢዮም። ብዙሓት ካብ’ቶም ነቲ ንግብረ-እከይን ኣረሜናዊ ትእዛዝን ብከተግብርዎ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ተመምዮም ዝተመርጹ እኳ እንተዀኑ፤ ኣብ ትሕት’ቲ ስርዓት ክሳብ ዝሃለዉ፤ ብዘይካ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ምፍጻም ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። መብዛሕትኦም ኣማራጺ ዘይብሎም ንትእዛዝ ተራ ኣፈጸምትን ኣተግበርትን ደኣ’ምበር ነዚ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን እከይ ስራሕን ገበንን ተሓተትን ሓላፍነት ተቐበልትን ከምዘይኰኑ ምጥባቖም ኣይተርፍን ኢዩ። ተግባራቶም ካብ ጸቕጥን ንህይወቶም ፍርሕን ስግኣትን ዝመጸ እምበር ካብ እምነት ከምዘይኰነ ምግላጾም’ውን ኣይተርፍን። ብዙሓት ካብ’ዞም ናይ ትማሊ ቀጥቀጥን ኣሰርትን ሰበ-ስልጣናትን ናይ ጸጥታ ሓለፍትን ሎሚ ድሃዮም ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ። ገሊኦም ተቐቲሎም፡ ገሊኦም ሰብ ኣብ ዘይርእዮም ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ተሰዊሮም፤ እቶም ሰብ ዕጫ’ውን ናብ ስደት ኣምሊጦም ኣብ ሐደ ዘመን ገፋዕትን ተገፋዕትን ኰይኖም ይርኣዩ።
እቶም ብዘይበደል ዝተኣስሩን ክሳብ ኣካላቶም ዝለምስ ዝተቐጥቀጡን ገሊኦም ነባር/ገዳይም ተጋደልቲ፣ ገሊኦም ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን፤ ገሊኦም ኣዝመድን ኣሕዋትን ነዞም ኣተግበርቲ ትእዛዝ ዝዀኑ ሰባት’ከ ከመይ ኮን ይርእይዎም ይኾኑ? እቶም ምቕጥቃጥን ቅንጸላን ዝፈጸሙ መራሕቲ ጕጅለ፡ ኣዘዝቲ ጋንታ ሓለፍቲ ሰበ-ስልጣን’ከ ከም ኣካል ናይ’ቲ ገባቲ ስርዓት ብምርኣይ ብገበን ተሓታትነት ምግባር ይግብኦም ይብሉ’ዶ ይዀኑ። ወይስ እቶም ትእዛዝ ኣተግበርቲ ኢና ኔርና ዝብሉ’ኸ ብተግባራቶም ብምጥዓስ፡ ዝፈልጥዎ ምስጢር ኩሉ ብምንጋርን ብምንሳሕን ንዝሓትዎ ይቕሬታ ምእንቲ ሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ከም ኣዕጋቢ ይቕበልዎ ይዀኑ። ሓደ ንኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራ ዒሮ ሓላዋይ ዝነበረ ሓደ ሰብ ኣብ ስደት ኣብ ዝገበሮ ነዊሕ ቃለ-መሓትት ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን በደላት ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ሰበ--ስልጣን ነበር ወይ ጕጅለ 15 ተባሂሎም ዝፍለጡ ምግላጹን ንዓለም ምፍላጡን ይዝከር። እሱ’ውን እንተዀነ፡ እቲ ዋና ምኽንያት መስደዲኡ እቶም እሱራት በብሓደ ምስ ዓረፉ ብዛዕብኦም ምስጢር ዝፈልጥ ኩሉ ሰብ’ውን ኣብ መጻኢ ንኸይምስክር ብምባል ከምዝቕተሉ ስለዝተረድኦ ኢዩ። ነዚ ስርዓት ብትግሃትን ብምሉእ ልቦምን ዘገልገልዎ ተራ ወተሃደራት’ውን ከይተረፉ ዝፈልጥዎ ምስጢር ንኸይወጽእ በቲ ስርዓት ምቕንጻሎም ዘይተርፍ ኢዩ።
ኩነታት ተቐይሩ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዘመሓድር ፍትሓዊ ስርዓት እንተተመስረተ እውን፡እቶም ብገበን ተኸሲሶም ብጭብጢ ብዝተረጋገጸ ኣገባብ ብይን ወይ መቕጻዕቲ ዝቕበሉ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብቝጽሮም ብዙሓት ኣይክዀኑን ኢዮም። ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ኤርትራ ብብሕቱ ናይ መንግስቲ ስልጣን ወኒኑ ንምሉእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከምጥሪት ዝውንን ዝዕብልልን ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጠሩን ሱር ክሰድድ ኣበርክቶ ዝገበሩን ሰባት ብናይ ፖለቲካን ሞራልን ሓላፍነት ምርሳዕ ዝሕተቱን ብዙሓት ኢዮም። እዚ ነቶም ናይ ፖለቲካን ሰብኣውን
ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ብዝገበርዎ ጌጋታትን ጕድለታትን ዝሕተቱ እንተዀነ ግን ብጭብቲ ዝተመስከረ ገበን ዘይገበሩ ሰባት ይምልከት። ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ንመንግስቲ ህግደፍ ወግዓውን ተግባራውን ኰነ ዘይንጡፍ ሓገዝ ዘበርክቱ ሰባት ኢዮም። እዚኣቶም’ውን፡ ንመንግስቲ ኢሳያስ ብገንዘብ፡ ብሞራልን ብፕሮፓጋንዳን ዝደገፉን፤ ግፍዕታት ክፍጸም፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ክቕየዱ፡ ከም ኣሓ ክዝርዑ፡ ክቕንጸሉ፡ ጥሪቶም ክዝመታን ኣባይቶም ክፈርስን ዓገብ ዘይበሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝነብሩ ሰባት እውን የጠቓልል።
ናይ ፖለቲካን ናይ ሞራልን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ሰባት ባዕሎም ብኢዶም ጌጋ ንዝገበሩ ጥራይ ኣይኰነን ዝምልከትን ዘመላኽትን። ዓገብ ካብ ምባል ኣፎም ካብ ዝለኵቱ፣ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝለመሱን ዝተቖጠቡን ሰባት’ውን ይምልከት ኢዩ። በዚ ኣርኣእያ ኩሎም ነባር ተጋደልቲ ህግሓኤ፣ በቲ ንሳቶም ዝመስረትዎ፡ ዝተቓለስሉን ዝሕበንሉን ውድብ ሎሚ ህግደፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዛኢ ጕጅለ ንዝገበሮ ገበናት ሕጋዊ ተሓታትነት እኳ እንተዘይሃለዎም፡ ንህዝቦም ካብ ውድቦም ንዝወርዶም ግፍዕታት ክከላኸሉ ብዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ገባቲ ኣሰራርሓ ኣብ ግዜኡ ስለዘይኣለይዎን ዘየወገድዎን ናይ ፖለቲካን ሞራልን ተሓታትነት ውን ኣለዎም ክብሃል ይኽእል።
ናይ ፖለቲካን ሞራልን ሓላፍነት ባዕሎም ገበን ንዝገበሩ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ዝተሓላለፍን ዝምልከትን። ምስ’ቶም ገበርትን ኣተግበርትን ገበን’ውን ብድሌቶም ክሓክዎ ወይ ከጥፍእዎ ዘይክእሉ ምትእስሳርን ዝምድናን ኢዩ። እዚ’ውን፡ ነቲ ስርዓት ዝዕብልሉን ዝውንኑን ሰባት ካብ ብሄሮምን ባህሎምን ምስዝዀኑ ኢዩ። በዚ ኣዘራርባ’ዚ፡ እቶም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ዝበሉ፣ ንዘመናት ብወግዒ ዝተቓለሱን እንተዀነ ግን ንናይ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ጾታን መሰረት ብምግባር ዝቃለሱን ስቃዮም ዝገልጹን ሰባት ስምዒት-ኣልቦ ብምዃን “ግፍዒ ንዅሉ ብማዕረን ሓባርን ኢዩ ዘጥቅዖ” ብምባል ናይ ካልኦት ቃንዛን ኣውያትን ንምስማዕ ምስ ዘይደልዩን ዘይክእሉን ኢዩ።
“ካልኦት” ወገናትና ንዘልዕልዎን ንዝጠልብዎን ቅቡል ሕቶታትን ድልየታትን ጽን ኢልካ ምስማዕን ምርዳእን መበቆሉ እዚ ገዛኢ ጃንዳ ብትግርኛ ተዛረብቲ ዝዕብለልን ዝዳለውን ብምዃኑ ዝተፈጥረ ናይ ቀልቢ ወይ ሕልና ቅልውላው ኣይኰነን። ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣብ ስደት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያንን ደቆምን ሕጂ’ውን ነቲ ስርዓት ደገፎም ኣየቋረጹን። ይኹን እምበር ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ባህልታት፡ ብሂላት፡ ቅጥዐ-
ምግባርን ስርዓታትን ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያን ብመደብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ዕንወት፡ ኣብ ታሪኾም ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ’ውን ምርዳእ የድሊ። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ ዕላማ’ውን ኣብ መንጐ ትግርኛ ተዛረብቲ ሃገር ኤርትራን ሃገር ኢትዮጵያን ምርሕሓቕ፡ ጽልእን ዘለኣለማዊ ነቓዕን ብምፍጣር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንምብታን ኰነ ተባሂሉ ዝተኣልመ
ውዲት ኢዩ። ትግርኛ ተዛረበቲ ኤርትራውያን፡ ከም ኩሎም ብሔራት ኤርትራ ንናጽነት ሃገሮም ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጥራሕ ዘይኰኑስ፣ ናይ ጃንዳ ህግደፍ ተበደልቲ፡ ተጐዳእትን ተጠቓዕትን ምዃኖም ንጹር ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውን ብሔራውን መንነት ዝወርድ ጭፍለቓን ጭቆናን ብዘይገደብ ምስ ዝቕጽል ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ብሔራትን ሓድሕዳዊ ምጥርጣር፡ ምርሕሓቕን ምትፍናንን ከስዕብ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ’ውን ኣብ ድሕረ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ኣብ ሃይማኖትን ብሔርን ዝተመስረተ ጐንጽታት ከም ዝጔልሕ ይገብር። ብሕልፊ’ኳ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ዝኸይድ ጐንጺ ነቶም ኣብ ልዝብ፡ ምክእኣል፡ ዕርቅን ሰላምን ዘናድዩ ሓይልታት የልግሶም፡ ቦታ’ውን ኣይህቦምን። ስለ’ዚ እውን፡ ጌና ሎሚ ብእዋኑ ብዙሕነት ዝሓቝፍን ዘተባብዕን ሃገራዊ ዘተ ሰላምን ስኒትን ውዕል ምግባር ኣድላዪ ይኸውን። ካብ’ቲ ሓፈሻዊ ስምምዕን ውዕልን ዘድልዮ ቀንዲ ጉዳይ ሕቶ ዋንነት መሬት ዝምልከት ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክወራረስ ዝጸንሐ ናይ ዓድታት፡ ናይ ቀቢላታት ኰነ ናይ ውልቀ-ሰባት፡ መንግስቲ ብሓይሊ ዝወረሶን ዝጐበጦን መሬት ናብ ዋናታቱ ምምላስን ንዋናታቱ ዘላቒ ውሕስነት ምሃብን የድሊ። ነዚ ንምትግባር ግን፡ ኣብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ናይ መሬት ሕግታትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ምሕጋግ ብቐዳምነት ናይ ግድን ኢዩ።
ኣብ መንጐ ብሔራትና ኣብ ስኒትን ሰላምን ዝተመስረተ ናይ ብሓባር ምንባር ድልየቶም ንምብርታዕ ሚዛናውን ማዕርነታውን “ማሕበራዊ ውዕል” ወይ ስምምዕ የድሊ። እዚ “ማሕበራዊ ውዕል” ውን፡ በቲ ሓደ ወገን ንዝተገብረ በደል ዝእርም ክኸውን እንከሎ፣ በቲ ካልእ ሸነኹ ከኣ፡ ኩሉ ውልቀ-ሰብ ዘርኡ ብዘየገድስ ኣብ ሃገሩ ሕጋዊ ድሌቱ ንኽማላእ ኣብ ዝመረጾ ንኽነብር ማዕረ ዕድል ክህልዎ ዘረጋግጽ ኢዩ።
እዚ ብዙሕ ዋጋን መስዋእትን ዝተኸፈለሉ ናይ ናጽነት ቃልሲ፡ ሕልሙ፡ ድልየቱን ዕላምኡን ብዙሕነት ዘማእከለ፣ ማዕርነት ብሔራት ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘረጋግጽ ናይ ሓባር ሃገር ንምፍጣር ኢዩ። መበገሲ ወይ መበቆል እዚ ድሌት’ውን እቲ ኣውሮጳውያን ገዛእቲ ብዘይ ሓልዮት ብሔራትን ቋንቋታትን ከምዝደለይዎ ብርሳስን፣ ብብርዕን ዝሓንጸጽዎን ዶብ ውሽጢ ኰይኖም ዘሕልፍዎ ናይ ሓባር ታሪኽን ናይ ሓባር ናይ መግዛእቲ ተመኵሮን ኢዩ።
እዚ ኤርትራ ከምዝደለዮ ንበይኑ ዝውንን ዝገዝእን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሃገር ህንጻ መንገድን ሓፈሻዊ ስልትን ዕማምን ግን፡ ካብ ድሌት መብዛሕትኡ ህዝቢዝርሓቐን ዝጻረርን ኢዩ። ህግደፍ ነዚ ሓድሽ ፈተነ ማሕበራዊ ህንደሳ ንብዙሓት ሰባት ንኽስሕበሉን፡ ክእክበሉን ክስዕቦን ናይ ፕሮፓጋንዳ ጭርሖ’ውን “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ብዝብል ኣጠቓሊልዎ ይርከብ። ዕላማ ናይ’ዚ ፈተነ ማሕበራዊ ህንደሳ’ውን ብዙሕነት ብኹሉ መልክዓቱን ዓይነታቱን ደምሲስካ፡ ሓድሽ ኣሃዳዊ ስርዓት ካብ መሰረቱ ምንዳቕን ምቛምን ኢዩ። መሪሕነት ህግደፍ ብዙሕነት ሃገር ኤርትራ ከም መሰረታውን ቅርጻውን ድኽመት ሃገር
ገይሮም ስለዝቖጸርዎ “ንሽሕ ፈልጺ፡ መእሰሪኡ ልሕጺ” ከምዝበሃል ብሓይሊ ማሕበራዊጥምረት፡ ባህላዊ ምውህሃድን ምትሕንፋጽን፤ እቲ ዝተወርሰ ቅርጺ ሃገርን ስምዒታትን ደምሲስካን ኣዕኒኻን ብሓድሽ ሃገራዊ ቅርጽን ሓድሽ ሃገራዊ ስምዒትን ምህናጽ ኢዩ።
ነዚ ዕላማ ንምትግባር’ውን፡ ኣብ ብዙሓት ብሔራት፡ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ መንእሰያት ጌና ምሉእ ሰብእነት ከይበጽሑ፡ ኣብ ሳዋ ሕብረተ-ሰብኣዊ “ቤት መጥሓን” ኣእቲኻ ብምድቋስ ሓድሽ ኤርትራውን ሓዳስ ኤርትራን ንምፍጣር ኢዩ። እዚ ሓድሽ ኤርትራዊ’ውን፡ ነቲ ንናጽነቱ ዘጓናጸፎ ውድብ ህግሓኤ ወራሲ ወይ ተካኢ ዝዀነ ህግደፍ፡ ዘልኣለማዊ መጐስን ክብርን ዝህብ፣ ናይ ሃይማኖትን ብሔርን መንነት ዘይብሉን ዘይፈልጥን፣ ናይ ውልቁ ታሪኻዊ ምስትውዓል ኰነ፡ ናይ ሓሳብ ናጽነት ዘይፈልጥ፣ ንቡር ህይወቱ ንኸካይድን ከከም ዓቕሙ ንብረትን ሃብትን ክድልብን ዘይፍቀደሉ፣ ብሓጺሩ፡ ህይወቱ ብምልኡ ከም ዘመናዊ ባርያ ወይ ጊላ ብነጻ ከገልግል ቍሩብ ዝዀነ ዜጋ ንምፍጣር ኢዩ። ብሓጺሩ መራሕቲ ህግደፍ፡ እቲ ኣብ ቃልሲ ነጻነት ኣዎንታውን ኣድማዕን ኢሎም ዝኣመንሉ፡ ኣብ ፍጹም ቍጽጽርን ዓብላልነትን ንእሽቶይ ይኹን ዓብዪ፡ ፍልልይ ርእይቶ ዘይጻወር ኣሰራርሓ ውድቦም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብመላኡ ምድጋም ኢዩ።
እዚ ብኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ግፍዕን ጭፍጨፋን ናይ ገለ ድኹማት ወይ ናይ ውልቀ-ሰባት ጌጋ ኣሰራርሓን ተግባርን ኣይኰነን። ሓድሽ ሃገር ሓድሽ ሰብ ንምህናጽ ተሓሲብሉ ኰነ ተባሂሉ ዝተማህዘ ቅዋማዊ መርሃ-ግብሪ ወይ ስትራተጂ መንግስቲ ህግደፍ ኢዩ። ዕላማኡ’ውን፡ ነቲ ኣረጊት፡ ጥንታውን ዘይምዕቡልን እትብሎ ስርዓት ኣብሪስካን ደምሲስካን ብሓድሽን እዋናውን ስርዓት ምትካእ ኢዩ። እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ጆዘፍ ስታሊን፣ ኣብ ካምቦድያ፡ ፖልፖት ዝተጠቕምሉ ኣሰራርሓ ኢዩ። ገዛኢ ጕጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅርጻዊ ዓመጽ ምክያድ ከም ኣዝዩ ኣድላዪነት ዘለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ንዝሓዝዎ ናይ ሃገር ምህናጽ ውጥን ወይ ፕሮጀክት ከም ፍጹም ወሳኒ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ነዚ ምስ ዝርድኣናን ምስ እነስተውዕለሉን ጥራሕ ኢዩ ነዛ ካብ ነባር ተጋደልትን ሓርበኛታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ትርጉም ዘይብሉ ጭቆናን መቕተልትን ጠንቁ ቍሩብ ክርድኣና ዝኽእል። ኤርትራውያን ነዚ ሒዞሞ ዘለዉ ናይ ጥፍኣትን ጥቕዓትን ዘልኣለማዊ ዕንክሊል በቲኾም ብምቝራጽ፣ ካብ ጉዕዞ ነፍሰ ዕንወት ከንሳሕቡ ምስ ዝደልዩ፡ ንናቶም ጥቕሚ ክብሉን ንጥቕሚ መጻኢ ወለዶታት ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ብምሕሳብ፣ ብሓባር ክወስድዎ ዘለዎም ኣድለይቲ ስጕምትታት ኣለዉ። ብሕልፊ’ኳ
እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር፣ ኣብ ዓድታት ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ዝነበሩ ሰባት ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘርኢ ብምትካል፡ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ብምጽራግን ብምንዳይን መጻኢ ወለዶታት ብስኒትን ቅሳነትን ዝነብርሉ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ መንጐ ብሔራትን ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ ብዙሕነት ዝሓቘፈ ኣብ ሰላም፡ ስኒትን ዕርቅን ዝተመስረተ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብህጹጽ ምእላዩ ኣድላይን ወሳንን ኢዩ።
እግረ-ጽሑፍ /
- “ኣርሜናውነት ኵናት፡ ወይስ ናብ ሰላም ዘምጽእ መንገዲ” ኣብ ዓዋተ. ኮም ብቴድሮስ ኣማኒኤል ገብረልዑል ጥሪ 2009፤The Barbarism of War Or a Peaceful Exit Option? Jan 06, 2009 by Tedros A. Ghebrelul Awate.com
- መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ዮውሃንስ ምዕራፍ 8፡7፤
- ሃና ኣርንደት፡ “ኣይኽማን ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ምንእኣስ ግብረ እከይ” ፐንጒን 2006፤ Hannah Arendt: Eichmann in Jerusalem – A Report on the Banility of Evil (Penguim Classic 2006)
- ሃና ኣርንደት፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽሑፍ ገጽ 250-51 እቲ ማንታ ዝተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ ገበንን ሓላፍነትን ዝምድንኡን ፍልልዩን ምብራህ ቀንዲ ጕዳይ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ነዚ ሕቶ “ሓባራዊ ሓላፍነት” ኣብ ዝብል ጽሑፍ፡ ገጽ 43-44፤ ከምኡ’ውን፡ “ዝተወደበ ገበንን ዓለም-ለኻዊ ሓላፍነትን” 1948 ገሊጸንኦ ኢየን። Collective Responsibiliy pp 43-44 and Organized Guilt and Universal Responsibility (1948)
- ጋዜጣዊ ጸብጻብ ኣኼባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ምስ ኣባል መሪሕነት ውድብ መስፍን ሓጐስ፡ ሓርነት. ኦርግ 28 ሕዳር 2012 ኣቶ መስፍን ሓጐስ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ከም ምዃኑ ኣብ 1973- 74 ኣብ’ቲ ውድብ ኣብ ዝተፈጥረ ሓያል ናይ ደሞክራሲ ተቓውሞ ኣብ ምድምሳስ ኣስተዋጽኦ እንተሃለዎ ኣይገርምን ኢዩ። እቲ ብዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኣፍወርቂ ተኽሉን ካልኦትን ዝምራሕ ብጸላእቱ ብኣስተናዓቒ ስም “መንካዕ” ተባሂሉ እተሰየመ ኢዩ። መራሕቱ እውን ብጉጅለ ኢሳያስ 1975 ከምዝተቐትሉ ይንገር።
- ንሕሳብ ሰብኣዊ መሰል ዝምርምር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመስረተ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ ጽሑፍ ክሳብ 31 ጥሪ 2015 ክእክብ ጸኒሑ ኢዩ።
- ዝከረ ልቦና ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም “ኤርትራዊ ስቕ በሃልነት እሱራት ብዘይ ኣሰር ክስወሩ ከለዉ 21 ግንቦት 2014፤ Zekere Lebona: Eritrean Quitness and the Disposing of Victims without a Trace 2014-05-21 Asmarino.com
- ፍራንዝ ካይኻ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘለዎ ጽሓፋይ ወዲ ቸኮዝላቫክያ ኢዩ። ኣብ ማእሰርቲ (The Trial) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ሕልሚ መሰል ጭንቀት ኣብ ማሕዩር ሕገ-ኣልቦ ገባቲ ስርዓት ዝርከቡ እሱራት ዘሕልፍዎ ትርጕም ኣልቦነት ይገልጽ። ብእንግሊዘኛ ከም’ዚ ዓይነት ኵነታት ካፍኻይፍ ተባሂሉ ይፍለጥ። Franz Kafka – The Trial
እቲ ዝምስረት ሰልፊ እንታይ ዓይነት ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ?
(ካብ መጽሐት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ቁጽሪ 73፡ 2006)
- ድኽነት ንምድምሳስ ቀንዲ ዕላማኡ ዝገበረ ሰልፊ፡-
ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ኣብ ድሕረት ዝርከቡ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ድኽነት ኢዩ። ድኽነት እንተልዩ፡ ምዕብልና፡ ብልጽግና፡ ሰላም ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ። ስለዝዀነ፡ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ዝምርሓሉ መሰረታዊ ስነ-ሓሳብ ድኽነት ንምልጋስ ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ። ድኽነት ድማ፡ ብትምህርቲ ደኣ’ምበር፡ በቲ ህግዲፍ ዝኽተሎ ዘሎ መርሆ፡ ንመንእሰያት ኣብ ግንባራት ናይ ውግእ ምውፋርን፡ ኣብ መደበራት ታዕሊም ምጕራትን፡ ኣስገዳድ ናይ ባርነት ስርሓት ብምክያድን ኣይኰነን ዘልግስ። ኣብ ዓለምና እተን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ንትምህርቲ ቀዳምነት ክህባ ዝጸንሓን ጌና ውን ዝህባ ዘለዋን ሃገራት ምዃነን ድማ፡ ነዚ ልዕል ክንብል ዝጠቐስናዮ ሓቂ ዘረጋግጽ እኹል ምስክርነት ኢዩ። ንትምህርቲ ቀዳምነት ምሃብ ማለት ከኣ፡ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ቀዳምነት ምሃብ ማለት ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ትምህርቲ ንዅሉ ኤርትራዊ ብናጻ ክባጻሕ ከምዘለዎ ይኣምን። እንተዀነ ግን፡ እዚ ምስ ዓቕምታት ናይ’ታ ሃገር ዝተኣሳሰር ጕዳይ ስለዝዀነ፡ ናብ’ቲ ናይ ርሑቕ ዕላማ ንምብጻሕ ደረጃ ብደረጃ ክኽየድ ከምዘለዎ ድማ ዝስሓት ኣይኰነን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ ይኹን ቅድም ክብል ኣብ ዘካየዶም ጕባኤታት፡ ትምህርቲ ክሳዕ 6ይ ክፍሊ ናጻን ግድነታውን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ዝወሰነ። ኣብ ናይ 2019 ጉባኤ ሰዲህኤ ኣብዘጽደቆ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ድማ፡ ፖሊሲ ትምህርቲ ኣብ ዝብል ዓንቀጽ 8.1 ተራ ቁጽሪ 8.1.2 ትምህርቲ ንኩሉ ዜጋ ብነጻ ክዋሃብ፣ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ድማ ግዴታ ይኸውን ክብል ብዝማዕበለ ደረጃ ኣራጒዱ ኣስፊርዎ ይርከብ።
- ሰላምን ብልጽግናን ንምስፋን ዝቃለስ ሰልፊ፡-
ዜጋታት፡ ብሰላም ናብ ስርሖምን ትምህርቶምን ወፊሮም፡ ብሰላም ክምለሱ ዘይክእሉ እንተደኣ ኰይኖም፤ ኣህዛብ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ፍርያቶምን ፍልጠቶምን ተመኵሮታቶምን ዝለዋወጥሉን፥ ኣብ ግዜ ጸገም ነንሓድሕዶም ዝደጋገፍሉን ዝምድናታት ከጥርዩ እንተዘይኪኢሎም ብልጽግና ክረጋገጽ ኣይከኣልን ኢዩ። ብልጽግና እንተደኣ ዘይሃልዩ ድማ፡ ሰባት ብሕማምን ድኽነትን ድንቍርናን ይሳቐዩን፤ ኣብ’ተን ዝርካበን ፍርያት ክዋጠጡን ክዋግኡን፤ ንዝሓሸ መነባብሮ ክብሉ ናብ ስደት ከምርሑን ይግደዱ። ስለ’ዚ ብልጽግና ብዘይ ሰላም፡ ሰላም ከኣ ብዘይብልጽግና ክርከብ ኣይከኣልን።
ብልጽግና ሃልዩ ውን፡ ሃብቲ ሃገር ብግቡእን ፍትሓውን ኣገባብ ኣብ መንጐ ዜጋታት እታ ሃገር እንተደኣ ዘይተመቓሪሑ፤ ኣብ መንጐ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ኣዝዩ እንተደኣ ተጋፊሑ፡ ናይ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋእን ረቛሒ ከምዝኸውን ክዝንጋዕ ኣይግብኣን። ብኻልእ ሸነኽ ውን፡ ሰላም ቀጻልን ዘላቕን ዝኸውን ኣብ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ዝሰፈኖ ኵነታት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ጭቆናን ዓፈናን ቅንጸላን ምጕብዕባዕን ተቓውሞን ጽልእን ኢዩ ዝወልድ። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ሰላምን ብልጽግናን ፍትሓዊ ኣዘረጋግሓ ሃብትን ዲሞክራስን ንምስፋን ዝቃለስ ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።
- ብሓድነትን ብዙሕነትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምን ሰልፊ፡-
ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ ዝተጋህዱን ዝግሃዱን ዘሎ ክልተ ጽርዲ ዝዀነ ጫፋት ዝሓዙ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ጫፍ፡ “ሓደ ልቢ፡ ሓደ ህዝቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሆ፡ ነቲ ናይ ህዝብና ባህላውን ቋንቋውን መበቆላውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ቀቢላው ብዙሕነት ዝኽሕድ ክኸውን እንከሎ፤ እቲ ካልኣይ ጫፍ ድማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ዝኣሳስር ነገር ዘይብሉ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ህዝብታት ገይሩ ዝወስድ ኢዩ።
እቲ ንምምስራቱ እንብገስ ዘሎና ሰልፊ እምበኣር፡ ንናይ ኤርትራ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ቍጣባውን ...ወዘተ ብዙሕነት ዝቕበልን፤ ከምኡ ውን፡ ኤርትራ ዶባታ ብመግዛእቲ ካብ ዝተሓንጸጸሉ እዋን ኣትሒዛ፡ ህዝባ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ክሳቐን፤ ንተመሳሳሊ ጸገማት ክቃላዕን፤ ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ ንናጽነቱን ክብሩን ሓቢሩ ክቃለስ ዝጸንሐን ህዝቢ ምዃኑ ዝኣምንን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጂኦግራፍያዊ ክሊ ምንባርን፥ ንተመሳሳሊ ጸገማት ምቅላዕን፥ ሓቢሩ ንናጽነት ምቅላስን፥ ብኣተሓሳስባ ኰነ ብመውስቦ እናተቐራረበን እናተኣታተወን ዝመጸ ህዝቢ ምዃኑ ዝግንዘብ ሰልፊ ክኸውን የድሊ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ፡ ምስ እንብገስ ጥራሕ ከኣ ኢና ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ክንምስርት እንኽእል። ስለዝዀነ፡ መርሆና፡ ንሓቀኛ ክውንነት ሕብረተ-ሰብና ዘንጸባርቕ ”ሓድነት ናይ ብዙሕነት” ዝብል ክኸውን ኣለዎ።
እዚ ምስ ዝገብር ጥራሕ ከኣ’ዩ፡ ናይ ካልኦት ርእይቶ ከኽብርን፤ ምስ ካልኦት ካብኡ ፍልይ ዝበሉ ኣካላት ብሰላም ሓቢሩ ጐኒ ንጐኒ ክነብርን፤ ከምኡ ውን፡ ኣሳታፊ ሰልፊ ክኸውንን ዝኽእል።
- ንመትከላት ናይ ግሉጽነትን ዲሞክራስን ዝምእዘዝ ሰልፊ፡-
እቲ ዝምስረት ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ህይወቱ ግሉጽ ዝዀነ ኣሰራርሓ ዝጥቀምን፤ ንኵሎም ናይ ዲሞክራሲ መቖሚታት ዝምእዘዝን ክኸውን ኣለዎ። “ዘይብሉ ክህብ ስለዘይክእል” ኣብ ውሽጣዊ ህይወቱ ግሉጽነት ዘይብሉን፥ ንዲሞክራስያዊ መትከላትን ሕግታትን ዘይምእዘዝ ሰልፊ፥ ንህዝቢ ግሉጽን ክኸውንን ዲሞክራሲ ከንግስን ፈጺሙ ዘይሕሰብን ዘይከኣልን ኢዩ።
- ናጽነት ናይ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ዘይህብ ሰልፊ፡-
ዝዀነ ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ መንግስታት፡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝምድናታት ክፈጥር መሰሉ ኢዩ። እዚ ዝምድናታት’ዚ ግን፡ ኣብ ሓባራዊ ህዝባዊ ረብሓታት ዝተመርኰሰ ደኣ’ምበር፤ እቲ ሓደ ሸነኽ ዝኸስበሉ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ጥራሕ ኢዱ ዝወጸሉ ወይ ድማ ናይ ኣህዛብ ዘይኰነስ ናይ መንግስታት ዝምድናታት ጥራሕ ኰይኑ ዝተርፈሉ ክኸውን ኣይግብኦን። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ንግዝያዊ ረብሓታት ክብል መሳርሒ ናይ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ወይ ግዳማዊ ኣጀንዳታት ከይከውንን፤ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ከይህብን ክጥንቀቕ ይግብኦ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ተኣምራታውን ፈልፋልን ዓቕምታት ህዝቡን ኣባላቱን ዝኣምንን ኣብኡ ዝምርኰስን ብልዑላውነት ናይ ህዝቢ ዝቕየድን ክኸውን ኣለዎ።
- ኣብ ቀጻሊ ለውጥን ምዕባለን ዝኣምን ሰልፊ፡-
ዓለምናን ዞባናን ሃገርናን ኣብ ቀጻሊ ምዕባለታት ከምዘለዉ ተገንዚቡ፤ ምስ’ቶም በብእዋኑ ዝምዝገቡ ለውጥታት ዝሰማማዕ ምምሕያሻት ኣብ ፕሮግራማቱን ኣሰራርሓኡን ኣመራርሓኡን ዘተኣታቱን ብሩህ ናይ መጻኢ ራእይ ዝውንንን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።
- ናይ ህዝብና ህርኩትነትን ኣብ ቃልስና ዝተጠርዩ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ምትሕልላይን ጠባያት ዘዕቅብን ዘማዕብልን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ነቲ ናይ ህግዲፍ ናይ ጐነጽ ባህሊ ዝነጽግን፡ ናይ ልዝብ ባህሊ ንምስራጽ ዝቃለስን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።
ንስዉእ ሙሴ ተስፋሚካአልን ንመዋቲ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያምን ዘራኽብ ናይ ታሪኽ ኣፋትል
Friday, 02 October 2020 13:39 Written by ወ.ዓማርብዕለት30 መስከረም 2020፡ ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ዘይርሳዕ ታሪኻዊ ኣሰራት ዝገደፈ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ኣብ መበል 91 ዕድሜኡ ብምኽንያት ኮሮና-ቫይረስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝዓረፈ ብማዕከናት ኢትዮጵያ ክሕበርን ክዝከርን ቀንዩ ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮኑ ከኣ፡ ቤት ትምህርቲ ዝረገጹ ኤርትራዊያን፡ ኣውራ እቶም ናይ ዝሓለፈ ዘመን ወለዶታት፡ ኣጸቢቖም ዝዝክርዎ ስም ኢዩ። ብወገነይ፡ እሞ ብዝኾነ ምኽንያት፡ ስም ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ክልዓል እንከሎ፡ ንኤርትራዊ ስዉእ ተጋዳላይ ሙሴ ተስፋሚካኤል ምስኡ ኣዛሚደ’ውን እዝክሮ። ኣውራ እዚ ሰሙን’ዚ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ ታሪኽ መላግቦ ዝኾነት ከኣ እታ ሰማያዊት ባንዴራ ኤርትራ ኢያ።
እቲ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ዓመተ-ትምህርቲ ናይ 1965-66 ኰይኑ፡ ቦታ ፍጻሜ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ሽዑ ስድስ-ኪሎ ካምፓስ ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ዩኒቨርሲቲ ነይሩ። ናይ ሎሚ ነፍስሄር ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም መምህር ጀኦግብራፍ ብምንባሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰፊሕ ክፍሊ/ኣደራሽ ናይ ኣርትስ-ህንጻ/Arts Building ዝብሃል ዝነበረ፡ ንስዉእ ሙሴን ናይ ቀዳማይ ዓመት መማህርቱን ሓደ ጊዜ ኣብ ሰሙን ይምህረና ነበረ።
ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ኩሉ ጊዜ ኣብታ ኣስታት 200 ዝኾኑ ተመሃሮ እትሕዝ ክፍሊ/ኣደራሽ ክንኣቱ እንከሎና ንእሽቶይ ሰንጢ ሒዙ ይኣቱ ነበረ። ሰሙን ሰሙን ዝቕመጠሉ ሰደቓ (ጠረጴዛ) ይቕይር። እተን ናይ ትምህርቲ ደቓይቕ ክሳዕ ዝውድኣ ከኣ ንባንዴራ ኤርትራ ኣብ ኮፍ ዘዝበሎ ጠረጴዛ ሓኺኹ ስኢልዋ ይወጽእ። ነቲ ጒዳይ ኣነ’ውን እርእዮ ነይረ። ኣመና ምስ በዝሔ ግን ደጋጊመ “እንታ ሙሴ ከይንኽሻሕ ከምኡ ኣይትቐጽል” ኢለዮ። ኣበይ ክሰምዓኒ።
ሓያለይ ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ፡ እሞ እቲ ቅርጻ ናይ ባንዴራ ኤርትራ ምዃኑ ብኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ምስ ተፈልጠ፡ ኣመሓዳርቲ ዩኒቨርሲቲ’ውን ፈሊጦም። እቲ ተግባር ብጊዜ ናይ ጀኦግራፍ ክላስ/ትምህርቲ ምዃኑ’ውን ዝበጽሕዎ ይመስል።
ሓደ መዓልቲ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ኣብቲ ክፍሊ እትው ኢሉ ካብ እተዛረቦ ሓያለይ ነጥብታት ክሳዕ ሎሚ ይዝከረኒ። እቲ ግዙፍ ጐተንኡን ብነድሪ ሕርቃን እተለዋወጠ ገጹን እውን ይርኣየኒ። ፕሮፈሶር መስፍን ሽዑ ወዲ 36 ዓመት ነይሩ። ንሕርቃኑ ዘይምቊጽጻሩ’ውን ናይ ዕድሜ ጒዳይ ይኽውን።
ፕሮፈሶር መስፍን ምሉእ መዋእሉ ክቱር ኢትዮጵያውነት ዝስምዖን ዝገልጽን ሰብ ነይሩ። ሽዑ ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ሙሴን ዝተረፍና ብጾቱን እውን ኣብ ክቱር ኤርትራዊ ስምዒት ኣቲና ምንባርና ዘየቕለበሉ ይመስል። ፕሮፈሶር መስፍን ነቲ ምሉእ ናይ 45 ደቓይቕ ጊዜ ትምህርቲ/ፒርየድ ብኢትዮጵያውነት እናተዛረበ ወዲእዎ። ናይ መግናሕቲ መደረ እዩ ነይሩ። ካብቲ ሽዑ ዝበሎ ብሓጺሩ ንምጥቃስ፡ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ምሕሳብ “ከንቱ ሕልሚ” ምዃኑ ገሊጹ። ቀንዲ ንኢትዮጵያ ንዘለኣለም ሓንቲ ኰይና ዘቐጽላ ዓበይቲ ረቛሒታት ኣሎ’ውን ኢሉና። ቀንዲ ካብኡ 1.ሃይማኖት 2. ሓድነት ኣብ ትሕቲ ሓደ ንጉስ 3. ታሪኽን እተዛመደ ቋንቋታትን ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ ቅድሚ 55 ዓመታት እተገብረን እተባህለን ነይሩ።
ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ብምኽንያት እቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሕማቕ ጒዕዞ ታሪኽና፡ ትምህርቲ ክቕጽልን ኣብ ፕሮፈሶርነት ክበጽሕን ኣይከኣለን። ዕጭኡ፡ ከም ዕጫ ናይ ብዙሕ ወለዶታት ኤርትራ ኰይኑ ተሪፉ።
ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም መዋእሉ ካብ ዝኾነ ስልጣን ዘይፈርሕ ምንባሩ ይንገረሉ። ንሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ምጥባቕ እውን ታሪኽ ሃገሩ እናዘክሮ ክነብር ኢዩ።
እቲ ውዑይን ተባዕን ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል እውን ካብ ዝኾነ ሓይሊ ዘይፈርሕ፡ ዝመሰሎ ዝዛረብን ዝገብርን ነይሩ። ኣብ ምጥባቕ መሰል ተጋደልቲ ብጾቱ’ውን ልክዕ ከምቲ ናይ ፕሮፈሶር መስፍን ትሪ እናርኣየ ይጣበቕ ምንባሩ ይምስከረሉ።
ብዝኾነ፡ ንክልቲኦም በቲ ነንሃገሮም ዝገበርዎ ታሪኻዊ ኣበርክቶታትን ናይ ተቓለስቲ ትብዓትን፡ ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ይግብኦም።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ባዕዳውያን በቲኹ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኹ ናጻ ህዝቢ ካብ ዝኸውን እንሆ ካብ 1991 ክሳብ 2020 ዳርጋ ሰላሳ ዓመታት ኣቚጺሩ። እዚአን ብፍቕደን ክንቆጽረን እንተዀይንና፡ ልክዕ ክንድተን ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረትለን (1962-1991) ሰላሳ ዓመታት ኢየን። ኣብዘን ክልተ መዋእለ ምሕደራ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ምሕደራን ናይ ደቂ ሃገር ምሕደራን ናይ ምንባር ዕድል ዝረኸቡ ነቲ ህይወት ብኸመይ ከም ዝመዝንዎ እንተዝሕተቱ ብውሑዱ ንክልቲኡ መድረኻት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ኢሎም ምገለጽዎ። ኣብ ጻዕቅን ሕሰምን ናይቲ መግዛእቲ እንተዝሕተቱ ውን እዚ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ናጽነት ብደቂ ሃገር ዝወርድ ዘሎ መግዛእቲ ዝኸፍአን ዝመረረን ምዃኑ ኣርጊጾም ምገለጹ።
መግዛእቲ ጭቆና ኢዩ፡ ውርደት ኢዩ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኢዩ፡ ማእሰርቲን ስቓይን ኢዩ፡ ናተይ ኢዩ እትብሎ ንብረት ዘይብልካ ናይ ገዛእ ሂወትካ ወናኒ ዘይትኾነሉ ኢዩ። በዚ መግለጺ'ዚ እንተጠሚትና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህልም ዝበለ መግዛእቲ ከም ዘላ ኢዩ ዘርእየና። ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ናብ ደቂ-ሃገር ገዛእቲ ተሰጋጊራ። ብካልእ ኣዘራርባ ካብ መግዛእቲ ደርጊ ናብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ተመሓላሊፋ። እቲ ቅድሚ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ዝነበረ፡ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ካብዞም ዝሓለፉ ክልተ መግዛእቲ ዝሓይሽ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። “ንቆልዓ ክብላ ይበልዓ” ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ኤርትራ ንባዕሉ ኢሉ ዝገበሮ ትሕተ-ቅርጻታት፡ ወደባት፡ ከተማታትን ጽርግያታትን ንኤርትራ ክጠቅም ኪኢሉ ኢዩ። እቲ ሕማቑ ንህዝብና ብውርደትን ብጭቆናን ኢዩ ዝሕዞ ነይሩ። ኣብ ዝወልዖ ኲናት ብምንቋት ብዘይ ርሕራሔ የህልቖ ነይሩ። ናብ ሊብያን ኢትዮጵያን ከም ዓሳክር ከቲቡ ዝወሰዶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣቦታትና ኣጥፊእውም ኢዩ። ጠባይን ኣሰራርሓን ናይ ገዛእቲ ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ናይ ሎሚ እዋን ገዛኢ ኤርትራ፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ’ውን ንመላእ መንእሰይና ኣብ ውትህድርና ብምዕስካር ናብ ዘዝወልዖ ኲናት ብምንቋት ዕምሪ ኣሕዋትናን ደቅናን የሕጽር ኣሎ። እቲ ዝኽፍአ ከኣ ንኤርትራ ኣብ ዘይምልከት ኲናት፡ ንዝንኡን ንቁሳቅሳዊ ጠቕሙን ኢሉ ናብ ከም ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ኣፍሪቃ ሱዳንን ሰራዊት ብምልኣኽ ግደ ሞት ገይርዎም ኢዩ። መንእሰያት ዝጥጥቐሉ ኲናት እንተሰኣነ’ውን ከም ጊላታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ብዘይ ጻማ ረሃጽ ኣብ ምህናጽ ገዛውትን ምልማዕ ሕርሻታትን ከገልግሉ ተገዲዶም ኢዮም። እዚ ተግባራት'ዚ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘይተፈጸመ ፍሉይ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሃገር ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ፡ እልቢ ዘይብሉ መብጻዓታት ሒዞም ብዝመጹ ደቁ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ንክምራሕ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ንመንነት መራሕቱ ዘለልየሉን ብቕዓቶምን ህዝባዊ ሓልየቶምን ዝመዝነሉ ግዜ ከድሊዮ ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። "እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ ከላ እፈልጣ" ከም ዝበሃል፡ ንኣመራርሓ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ንምርዳእ ክንድኡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝግብኦ ኣይነበረን። ንኢሰያስ ንምልላይ፡ ህዝብና በዚ ዝሓለፎ መሪርን ነዊሕን ተመክሮ ክሓልፍ ግድን ኣይነበረን። ክንዲዚ ውርደትን ስቓይን ክወርዶ ኣይምተገብአን። ንናጽነቱ፡ ክብሩን መንነቱን ካብ ገዛእቲ መንዚዑ ንምውናኑ ብጅግንነት ዝተቓለሰ ህዝቢ፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ እንታይ ከምዝዓዘሞ ንምፍላጥን ንምርዳእን ዘጸግም ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንመንነቱ ክሓብእን ስልጣኑ ከደልድልን ከናውሕን ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓያለ ናይ ግዳም ጸላእቲ ከምዘለዉዎ ብምፍርራሕ፡ ኣመራርሕኡ ኣብቲ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ በደልን ውድቀትን ህዝቢ ከምዘየስተብሃልሉ ምግባር ኢዩ። ንሃገርነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝተናኾልን ዝደናደንን ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከይሃለወ ብጸቢብ ሃገራዊ ምልዕዓል ዲክታቶርያዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ኣብ ምክያድ ከምዝነብር ህዝቢ ክርድኦ ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ኪኢሉ ኣይጸንሐን። ሎሚ ግን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝብና ንእኩይ ስራሓትን መደባትን ዲክታቶር ኢሰያስ ኣለልዩ ካብ ስልጣን ንምእላዩ ብቆራጽነት ክቃለስ ጀሚሩ ኣሎ።
ንኢሰያስ ከም ሓላይ ሃገርን ህዝብን ገይሮም ዝቖጽሩ ገለ ግሩሃትን ክሳብ ኣብ መቓብሩ ዝወርድ ዝስዕብዎን ኤርትራውያን ናይ ኣተሓሳስባ ዕዉራት ተዘይኮይኖም ኣብቲ ኣብ ቅድሚኦም ብዛዕብኡ ብብሩህ ተጻሒፉ ዘሎ መንደቓት ኣንቢቦም ክርድኡ ይኽእሉ ኢዮም። ሃገር ኣብ ቅድሚኦም ኣላ። ለሚዓ'ዶ ወይስ ጠፊኣ፡ ማዕቢላ'ዶ ንድሕሪት ተጎቲታ ርእዮም ብሕልና ይመርምርዎ። ነዚ እንተዘይከኣሉ ናይቲ ዘምልኽዎ መራሒኦም ምስ ተላኣኣኽቱ ጋዚጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ዝተዛረቦ ጽን ኢሎም ይስምዕዎ። ባዕሉ ሃገር ኣብ ከመይ ምዕባለ ከምዘላ ክነግሮም ኢዩ። እተን ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ተተኺለን ዝነበራ፡ ኢትዮጵያ ውን ብዓቕማ ተተይ እተብለን ዝነበረት፡ ፋብሪካታት፡ ወደባት፡ ጽርግያታትን ህንጻታትን ሎሚ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሰያስ፡ ባዕሉ ብዝተኣመነሉ በሪሰን ኢየን።
እቲ ሓደ ውዱቕ ሰዓብቲ ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ዘኮማስዕዎ ርእይቶ፡ ንኢሰያስ ክትክኦ ዝኽእል ዝሓሸ ሰብ ከምዘየሎ ኢዩ። ሓቆም ኢዮም፡ ካብ እሰያስ ንላዕሊ ክመልኽ፡ ክጭቁንን ክገዝእን ዝኽእል ኤርትራዊ ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዘድሊ ዘሎ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘውጽኦ ቅዋም መሰረት ዝመረጾ መራሒ፡ ክመሓደርን ክምራሕን ደኣ'ምበር፡ ከም ኢሰያስ ፊን ብዝበሎ ዝውስን ክግዛእ ዝደሊ ኣይኮነን። መግዛእቲ ብመግዛእቱ ደኣ ኔርዎ እንዲዩ። መግዛእቲ ጸሊኡ ኢዩ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዘካየደ። ሰዓብቲ ኢሰያስ ልክዕ ከም መራሒኦም ኣብ ዓቕሚ ህዝቢ ዓቢ ንዕቀት ዘለዎም ኢዮም። ህዝቢ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ናይ ኩሉ ዓቕሚ ምዃኑ ዝዘንግዑ ኢዮም። ምምራሕ ሃገር ናይ ህዝቢ ስልጣን እንተኾይኑ፡ ንህዝቢ ዝሰኣኖ የለን። ካብ ማህጸን ህዝቢ ዝወጹ፡ ሃገር ዝመርሑን ሃገር ካብዚ ወዲቓቶ ዘላ ደልሃመት ዘተስኡን ዕድል እንተተዋሂብዎም ብዙሓት ኢዮም ዝኾኑ።
ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብጀግንነት ተቓሊሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝበተኾ ሰንሰለት መግዛእቲ፡ ሎሚ ብካልእ መልክዕ መጺኡ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሸሸይ ክብል ዕድል ክወሃቦ ዘይግባእ ኢዩ። ኣብ መዋእል ሰውራ ሸቃሎ ዝነበሩ ጎስጐስቲ፡ ሸቃሎ ኣብ ሰውራ ምጽንባሮም ብዘይካ እቲ ተሞቒሖምሉ ዘለዉ ሰንሰለት ምስባሩ ዘጥፋኣሎም ነገር የብሎምን ከም ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ሎሚ ውን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ኢሰያስ ምቅላሱ ተጻዒንዎ ዘሎ ኣርዑት መግዛእቲ ምስባር ፍትሕን ደሞክራስን ምንጋስ እንተዘይኮይኑ ዝኸስሮ የብሉን።
ማሕበረ ቁጠባዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ እንዳተቐያየረ፡ ቀጻልን ዘተኣማምንን ቅሳነት ከየውሓሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ዓቐበ ቁልቁለት ምዃኑ ታሪኹ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ሓደ መዋእል ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተበራርየምሉ። ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ከኣ ናቱ መሲሎም ብዝቐረቡ ዘይናቱ መዛምድቱ ተጠሊሙ። ካልእ ግዜ ከኣ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ናይ ቀረባን ርሑቕን ገዛእቱ ሓንሳብ ንሓዋሩን ከወግድ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኣካይዱ። ልኡላውነቱ ከኣ ብድምጹ ኣረጋጊጹ። ድሕሪዚ ኩሉ ከኣ ልቡ መሊኡኳ ምሉእ ብምሉእ እንተዘይቀሰነሉ፡ ኣብ ዝምድናዊ ሕጉስ ግዜ ናጽነት ድሕሪ መግዛእቲ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ በቚሉ ዓንቢቡ ኣብ ፍረ ክበጽሓሉ ሃንቀው ዝበሎ ኣብ ደምን ኣዕጽምትን ደቁ ዝበቖለ ናጽነቱ ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኮነሉን። ፈልሲ ናጽነት ከምቲ ብጽቡቕ ኣጀማምራ ዝበቖለ ዘራእቲ፡ ኣብቲ መስርሕ ብሰንኪ ኣንበጣን ካልእ በላዒቶን ኣብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፍርያት ከይበጽሐ ዝኹለፍ፡ ብሰንኪ ኣድብዮም ዝጸንሑ ጐሓላሉ ናይ ሰብ በላዒቶ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ናይ ሰላምን ዕቤትን ምህርቱ ኣይተሓፍሰን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእስቲ በሰንኪ ፍረ ናጽነቱ ክሓስፍ ብዘይምኽኣሉ ዝሓደሮ ሻቕሎት፡ ጉጅለ ህግዲፍ ሓሓሊፉ ዝኣጐዶ ሓዊ ከጥፍእ ተገዲዱ እዩ። ኣብቲ ምጥፋእ ዘዝተባረዐ ሓዊ ከኣ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ግዱድ ነይሩ። ዋጋ ብዋግኡ ከኣ ኣዝዩ ክቡር ህይወት ደቁ፡ ዕንወት ንብረቱን ስደትን እዩ ኣጋጢምዎ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ ስንብራቱ ዘይሓወየ ብዙሓት ተመራመርቲ “ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግኣት ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ኣዕነውቲ ሓዊ ንክእጐድ ኣሉታዊ ብጽሒት እቲ ጉጅለ ቀሊል ከምዘይነበረ፡ ሻራ ብዘይብሎም ኣጻረይት’ውን ከይተረፈ ተመስኪሩ እዩ። እቲ እከይ ግባሩ ዝፈልጥ ጉጅለ ከኣ እነሆ ክሳብ ሕጂ በዚ ጉዳይ ምእንቲ ከይሕተት፡ ካብቲ ሃዳሚ መንገዱ ኣይወጸን።
ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ መወዳእታኡ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸግም፡ ናይ ውረድ ደይብን ሻቕሎትን ሃለዋትን ኣይደሓነን። ብፍላይ ኣብዚ ዓለምና ኣብ ትሕቲ መዓት ዝዘነብ ጸሊም ደበና ኮቪድ-19 እትሕቆነሉ ዘላ ህሞት፡ እቲ ካብ ቅድም እውን ኣብ ደሓን ዘይጸንሐ ኩነታት ህዝብና ኣበየናይ ዘየደቅስ ደረጃ ከም ዝርከብ ብሩህ እዩ። ምናልባት ነዚ ዘበን ኮቪድ-19፡ ኣባና ጥራይ ስለ ዘይኮነ፡ ብእንዳ ህግዲፍ “ደሓን ምስ ሰብካ መዓትስ ዳርጋ ገዓት” ክበሃል ይድለ ይኸውን። እንተኾነ እዚ ለበዳ ኣብ ኩሉ ዘጋጠመኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ጻዕሪ ሳዕቤኑ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ከም ዝኽእል ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ከምቲ ኣብ ካልእ ዛዕባ ዝረአ፡ ኣብ ኣገጣጥማ ኮቪድ-19 እውን፡ ናይቶም ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰሉ፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘይጉዳዮም፡ ምምሕዳራዊ ባህሊ ተሓታትነት፡ ግልጽነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዘየዘውትሩ፡ ምስ ናይቶም ልዕልና ህዝቢ ዝኣምኑን ኣብ ቅድሚኡ ዝሕተቱን ትካላዊ መዛርዕ ዘለዎም ምምሕዳራት ክርአ እንከሎ ሓደ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ለበዳ ሕማም ብዝምልከት ዝወሰዳ እውጅቲ ስጉምቲ ሓንቲ እያ። ንሳ ከኣ “ምዕጻው” እያ። ጉዳይ ኮቪድ-19 ካብ ዘሻቐለን ለገስቲ ሃገራት ንህዝቢ ኣፍሪቃ ካብ ዝተዋህበ ናይቲ ሕማም መከላኸሊ ናውቲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተሓስሞ፡ ከኣ እቲ ቫይረስ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣብ ሃገርና ዝተዓዘብናዮ ዘስደምም ተረኽቦ እዩ። እቲ ብሰንኪ ንህዝቢ ኣብ ገዛ ምዕጻው ከጋጥም ዝኽእል፡ ሕጽረት ምናልባት እውን ስእነት፡ መግቢ፡ ማይ፡ መብራህትን ካልእ ናይ መዕንገልን ጽሬትን ቀረባትን ብኸመይ ይማላእ? ዝብል መሰረታዊ ጉዳይ ንምምሕዳር ህግዲፍ ጉዳዩ ከምዘይኮነ ብግብሪ ተራእዩ እዩ። እቲ ጉጅለ ነዚ ሕቶዚ ኣይመለሶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባ ኣብ መስርሕ ምክልኻል እቲ ሕማም እውን ኣይተዛረበሉን።
ምናልባት እዚ ምጽቃጥ ኣካል ናይቲ ህግዲፍ ካብ ክውንነት ክሃድም እንከሎ ዝጥቀመሉ፡ “ዘይተዛረብና ዝዝረብ ስኢና ዘይኮነስ፡ ክንዛረብ ስለ ዘይደለና ኢና” ዝብል ዕባራ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ምናልባት እውን እቲ “ንኺድ ጥራይ” ዝብል ናበይ ከምዝኽየድ ግና ዘየነጽር ጭረሖኡ፡ ሎሚ ድማ ናብ መተካእታ ዘየብሉ “ንዕጸው ጥራይ” ማዕቢሉ ኣሎ ማለት እዩ።
“ክሳብ ሕጂ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝሞተ የብልናን” ኢልካ እንዳፈከርካ፡ ህዝቢ ብሰንክ’ቲ “ነዚ ተላባዒ ሕማም ንምክልኻል” ብዝብል ሸፈጥ ዝተኸተልካዮ መንገዲ ዘይሓላፍነታውን መገላባጢ ዘየብሉን ምዕጻው ሰብ እንተ ሞይቱኸ ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር። እቲ መኽሰብን ክሳራንከ ብኸመይ እዩ ክወራረድ። ኣብዚ እዋንዚ እዚ ብሰንኪ ህግዲፍ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኤርትራ ኣሳፊሑ ዝጸንሐ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ጸልማትን ሕማምን ሎሚ፡ ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ዝምድናአን ኣብ ዝተበትከሉ ኩነታት ኣበየናይ ደረጃ ዓሪጉ ከም ዘሎ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲዚ ወራር ኣንበጣን ዘይልሙድ ዓቐን ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅን ክውሰኾ እንከሎኸ። ወዮ ደኣ ብሰንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕጹው ፖሊሲ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ምርካብ የጸገምዩ እምበር፡ ዝተፈላለዩ እዚ ዛዕባ ዘተሓሳሰቦም ወገናት ኣብ ኤርትራ ህጻናት ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ኣብ ኣፍ ሞት ብምብጸሖም ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ። ብዛዕባ ጸገምን ኣገጣጥምኡን ክንዛረብ እንከለና፡ “ህዝቢ ኤርትራ ጽኑዕን ኩሉ ጸገም ዝጸውርን እዩ” እንዳበልና በቲ ጽንዓቱን ጹረቱን ንሕበንን ንንየትን ኢና። እንተኾነ ጹረትን ጽንዓትን እውን ደረት ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።
ስለዚ ነቲ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ዘይጽወር ብህግዲፍ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ሎሚ ከኣ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ ጸገም፡ ህዝብና ርዒሙ ክጸሮ ዘይኮነ፡ ሓቢርና ክንቃለሶ’ዩ ዝግበኣና። ንኤርትራን ህዝባን ከኣ ከምቲ ዘለዉዎ ምስ ጸገሞም ክንቅበሎም ዘይኮነ፡ ጠንቂ ሞት ኣብ ሃገርና ኮቪድ-19 ጥራይ ከምዘይኮነ ኣስተብሂልና፡ ናብቲ ክኾንዎ ዝግበኦም ከነበርኾም ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከነሕይል ግድን እዩ።
“እስኪ ጸሓይ ይብረቕ ማይ ይዛሪ፡ ፈታውን ጸላእን ከነለሊ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኣብ ኤርትራዊ ባህልና ነባርን መሳጥን እዩ። እዚ ኣበሃህላ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ እዩ። በቲ ግሉጽ ትርጉሙ፡ ናይ ክረምቲ ሓያልን ዘፍርሕን ዝናብ፡ በረድ፡ ውሕጅ፡ በርቂ፡ ነጐዳን ህቦብላን ግዜ ይሕለፍ እሞ ደሓር ኣብ ግዜ ራህዋን ብርሃንን ብሰላም የራኽበና ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፍ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ንምዝራብ፡ ንምምዛንን ንምውሳንን ዘኽእል ጥጡሕ ግዜን ኩነታትን ምጽባይ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመልክት መንፈስ ዘለዎ ኣርሒቑ ዝጥምት እዩ።
ኣብ ኤርትራ ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይን ጽድያን እንብሎም ክፋላት ዓመት ኣለዉና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዞም ክፋላት ዓመት እነንጸባርቖም ማእቶታውን ባህላውን ትግባራት ከኣ ኣለዉና። ሕጂ ናብቲ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ካብ ዝዝውተር ባህላዊ ትሕዝቶ ኢና ከነተኩር። እዞም ዝዝውተሩ ባህላዊ ፍጻመታት በቲ ሃገርና እትውንኖ ናይ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ መሬታዊ ኣቀማምጣን ካልእ ብዙሕነትን ዝጽለዉ ምዃኖም ርዱእ እዩ። ስለዚ እዚ ነቕርቦ ዘለና ንኤርትራ ብዝምልከት ምሉእነት ዘለዎ ዘይኮነ፡ ንዝተወሰነ ከባቢ ዝውክል ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣትዉ ነዘኻኽር። ነዚ ኣብ ዝምልከት በብኹርናዑ ዝመጽእ ባህላዊ ዳህሳሳት ተደሚሩ ኤርትራዊ ምሉእነት ክህልዎ ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ።
ምስዚ ኩሉ ናብ ባህላዊ ነጸብራቕ ሎሚ ቅነ ኣባ ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዮሃንስን መስቀልን ነድህብ። ኣብ ሓያሎ ከባብታት ኤርትራ ሸግ ኣዳሊኻ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ “ሆየሆየ” ይበሃል። እቲ ሆየሆየ ዝበሃለሉ 1ይ ኣባ ኣብርሃም፡ እቲ 2ይ ቅዱስ ዮሃንስ እቲ 3ይን መወዳእታን ድማ መስቀል እዩ። እዞም ሰለስተ ባህላዊ ኣጋጣምታት ነብሲ ወከፎም ዝንጸባረቕሎምን ዝደምቅሎምን ባህላዊ ግጥምታትን ዜማታትን ኣለዉዎም። ካብቶም ዝውቱራት ግጥምታት ሓደሓደ ንኣብነት ክንጠቅስ እንከለና ነዞም ግጥምታት ብዜማ ኣመቂርካ ኣብ ምቕራብ፡ ኩሎም መንእሰይያትኳ ግደ እንተለዎም፡ ግደ ኣሓትና ደቂ ኣንስትዮ ግና ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ እዩ። እቲ ካልእ እዚ ባህላዊ ቅነ ምርዑዋት ይኹና ዘይተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ ወቂበን ካብ ገዛ ወጺአን ምስ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ናይ ምጽዋት ካብ ወለደን ፈቓድ ዝረኽባሉ ግዜ ምዃኑ እዩ።
ኣብ ድሮ ኣባ ኣብርሃም ማለት ምሸት 2 መስከረም፡ መንእሰያት መምስ ዕድመኦም ዝመጣጠን ሽግ ሒዞም፡ ብሓባር ኣብ ማእከላይ ቅርዓት ዓዶም ተራኺቦም ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እንዳዘሩ ብስራት ዘስምዕሉን ምልክት ብርሃን ዘርእይሉን እዩ። ነበርቲ ሓንቲ ዓዲ ከኣ ብርሃን ከይረኣዩ ንዘይምድቃስ እቶም ሽግ ዝሓዙ ብኸባብኦም ክሳብ ዝሓልፉ ይጽበይዎም። ኣደታት ኣብ ዘዝበጽሕዎ ብዕልልታን ሓጐሰን ይቕበለኦም። እቶም ሰብ ሽግ መንእሰያት ኣብዚ ዑደቶም፡ “ኣባ ኣብርሃም ጢጡ ክጐዪ ጠሪጡ፡ ኣባ ኣብርሃም ዓጓ ክጐዪ ተጐጓ፡ ኣጆኽን ኣንስቲ ጸዕዳ ጣፍ ለወስቲ፡ ኣጀኹም ጓሶተ ባልደንጓ ሸወተ፡ ኣጆኹም ቆልዑ ባልደንጓ ጨልቂዑ” ዝብሉ ግጥምታት ብዝተመርጸ ከራሪ እንዳተምርሑ ይቕበሉ። እቶም ንኹሉ ናይ ክረምቲ ዝናብን ቁርን ክኢሎም ሽጎም ኣብሪሆም ዝዞሩ መንእሰያት ነቶም ኣብዚ ኣጋጣሚ ዘይተሳተፉ መንእሰያት መሳትኦም “ሆየ ዘይበለ ካብና ይፈለ፡ ሆየ ዘይበሉ ዓመት ይማህለሉ፡ ውሰን ወሰን እገለየ ነዲኡ ዘላውሰን፡ እቶን እቶን እገለየ ነዲኡ ዘጋዕተን” እናበሉ ይነቕፉዎም። ንገዛእ ርእሶም ከኣ “ሆየ ዝበልና ዓመት ይዕቆረና” እናበሉ ይመጓጐሱ። ምስቶም ኣብ ጐደብኦም ዓዲ ዘለዉ መንእሰያት ንምውድዳር ከኣ፡ “ኣንታ በልዓ ማዕዶ እሞ ነዓያንዶ- ብሽመል ጠጠዓሎ ክንተዓላሎ፡ እታ በዓል ታህሰስ-እሞ ነዓያንዶ ክንኰላሰስ” እንዳበሉ የላኻ ይብልዎም።
ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ዑደቶም ወዲኦም፡ ናብቲ ጓይላ ዝሕደሮ ቅርዓት ክመጹ ክጽበየኦም ዝጸንሓ ኣሕዋተን ንምንኣድን ምትብባዕን፡ በቲ መሳኹቲ ሰማይ ዝኸፍት መሳጢ ዜማአን፡ “ዝለል ኮታ ዝለል ኮታ-ፍልሖ ኣለዎ ባይታ፡ ሰስኑ ሰስኑ ሽሕን ዋልታን ኩኑ-ወያ ዛዓድና ከይኣትዋ ጓና” ይብላኦም። እዚ ሽግ ኣብሪህካ እናዞርካ ዝግበር ብስራት ምስ ተፈጸመ፡ ካብኡ ንደሓር በቲ ዝተረፈ ሽግ ሓዊ ተኣጒዱ ኣብ ዙርያቲ መጋርያ ብመሪሕነት ብመንእሰያት ኣፍልጦ ዝተዋህቦን ሳዕሳዒትን ምውቃዕ ከበሮን ብማዕረ ዘባጽሕን ኣባጓይላ እንዳተመርሓ ብባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒን ጣቓዒትን ዝደመቐ ጓይላ ሂር ክብል ይሓድር።
ኣብ ቅዱስ ዮሃንስ ድሮ 11 መስከረም፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ልሙድ ቅርዓት ይእከቡ። እቶም ነቲ ጉዳይ ዘወሃህዱ ኣባጽሕ እኹል መንእሰይ መምስ ሽጉ ተኣኪቡ ኣብ ዝበልሉ ሸጋት ኣብሪሆም ከምቲ ናይ ኣባ ኣብርሃም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓዶም ሽግ ዘለዎን ዘየብሉን ንእሽቶን ዓብይን ተዛኒቖም ርሕቀቱ ብዝተመጠነ መስርዕ ምንቅስቓስ ይጅምሩ። ኣብቲ ጉዕዘኦም እቲ ልሙድ “ሆየሆየ” ምባል ኮይኑ “ቅዱስ ዮሃንሰ ደሓን ተመለሰ፡ ሆየ ዝበልና ዓመት ይዕቈረና” ዝብል ግጥምታት መሪሕ ቦታ ይሕዝ። ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ቅድም ነቶም መንእሰያት ናብ ዑደት ከፋንወኦም እንከለዋን ደሓር ከኣ ዑደቶም ወዲኦም ናብቲ ልሙድ ማእከላይ ቅርዓት ክቕበለኦም እነከለዋን “ዮሃንሰይ መስቀለይ ጥቓጥቓ ሃበኒ ሽቶለይ ክዕጠቓ፡ ዮሃንሰይ ቅዱሰይ ምሓርዋ ንነብሰይ፡ ሕዮባ መሲለየ ሕዮባ ከምስላና፡ ቅዱስ ዮሃንሰይ ወለባ ሰኲዐ ኣብ ርእሰይ” ዝብሉ መሰጥቲ ዜማታት የዚማ። ድሕሪዚ ጓይላ ምስ ሓደረ፡ ወጋሕታ ኩሎም መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናብ ሩባ ወሪዶም በበይኖም ናይ ምሕረትን ንጽህናን ምዃኑ ዝእመነሉ ማይ ይሕጸቡ። ክኢላታት ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ይሕንብሱ። ኣብዚ ወጋሕታ ዘይተሓጽበ ሰብ ዋላ ቀትሪ ኣብዛ ዕለት ክሕጸብ ናይ ግድን እዩ።
መስቀል ኣብ ድሮ 27 መስከረም ከምቲ ናይ ኣባ ኣብርሃምን ቅዱስ ዮሃንስን መንእሰያት ሽጋቶም ሒዞም ኣብቲ መራኸቢ ቅርዓት ይእከቡ። እቲ ቁጽሪ እንተውሒዱ እሞ እቶም ዝደንጐዩ ምእንቲ ክመጽዎም፡ ብዝተፈላለየ ባህላዊ ግጥምታት ይጽውዕዎም። ግዜ ምስ ኣኸለ ከኣ እቲ ልሙድ ሽግ ኣብሪህካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ቁሸትካ ናይ መስቀል ብራቕ መበሰሪ ዑደት ይቕጽል። ዑደቶም ወዲኦም ናብቲ ልሙድ ቅርዓት ክበጽሑ እንከለዉ ዝቕበለኦምን ኣብቲ ጓይላ ሓቢረን ዝሓድራን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ፡ “ ንመስቀለይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ፡ መስቀለይ ከይዳከይዳ ሕዛለይ ብኽሳዳ፡ ኣይኮነንዶ ንመስቀል ንወለሎ ንሰብኳ ዝዕለሎ” ይብላ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ብናይ ሓባር ናይ ኢድን እግርን ህርመት “ዓመት ናብ ዓመቴ ይዕቆረና” እንዳበሉ የድምቑለን። ድሕሪ እዚ መንእሰያት ጓይላ ምስ ሓደሩ፡ ንግሆ ነናብ ገዝኦም ተመሊሶም፡ ኣቐዲሙ ነቲ ጉዳይ ዝተዳለወ ሽግ ኣብሪሆም ኣብ ጐረባብቶም ገዛገዛ እናኣተዉ “ዓኾዃይ ዓኾዃይ፡ ብርሃን ገዳይ መስቀል ገዳይ፡ ቁራዕ ሓምሊ ይውጻእ ቁራዕ ጥጥቖ ዕፉን ይእቶ፡ ትዃን ይውጻእ ቁንጪ ይእቶ” እናበሉ ክረምቲ ዛርዩ ጸሓይ ከም ዝወጸን ፍርያት ሓረስታይ ከምዘርከበን የበስሩ። ኣብ መንእሰያት መን ቀዲሙ ዓኾዃይ በለ ውድድር ኣሎ። ሰባት ከኣ ነቲ ንዓዀዃይ ዝበርሀ ሽግ ደሓር ኣብ መሬት ምስተጋደመ፡ ሰለስተ ግዜ እንዳተሳገሩ “ዓመት ናብ ዓመት ይዕቆረና፡ ንዓመታ ከምዚ እዋን ብሕቡርናን ብስሙርናን የጽነሓና” ብዝብል ሰናይ ትምኒቶም ይገልጹ። ድሕሪዚ ናይ ዝተፈላለየ ዘራእቲ ሸዊት ምብላዕ ከም ዝከኣል ብዓበይቲ ይብሰር። እዚ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ዝጠቐስናዮ ግጥምታት ናይ ኣባ ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዮሃንስን መስቀልን ተባሂሉ ዝሕዛእ ዘይኮነ ዝወራረስን ኣብ ኩሉ ክዝውተር ዝከኣልን እዩ።
ኣብዚ ከይተጠቐሰ ዘይሕለፍ፡ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ዮሃንሰን መስቀለን ኣብ ግዜ በዓላት ማርያ፡ ድሕሪ 22 ነሃሰ ዘሎ ሰሙን “ኣሽንዳ” ዝብላሉ ባህላዊ ኣጋጣሚ ምህላዉ እዩ። እቲ ናይ ኣሽንዳ ስርዓት፡ ኣተገባብራኡን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምድላዋትን ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይን ምስ ትግራይ ኣብ ዘራኽብ ከባብታት ኣምሓራን ዝዝውተር ዝመሳሰል እዩ። ኣብዚ ናይ ኣሽንዳጋ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ “ኣሽንዳ ወዲዓደይ-ብበራውዶ ክሳብራ ዛኢደይ፡ ኣሽንዳብየ ኣይጉልንድየ ክጻወት እየ” ዝብሉ ዜማታት የዘውትራ። ኣሽንዳ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ማዕቢሉ ናይ በጻሕቲ ሃገር ሓያል መስሓቢ ኮይኑ፡ ኣብ ዩኒስኮ (ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ባህልን ትምህርትን) ክምዝገብ ኣብ ዝቀራረበሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግና ባህላዊ ትሕዝቶኡ ከይሰሓተ ዘበራብሮ ስኢኑ ከም ዘይነበረ ሃሲሱ ክተርፍ እንከሎ ዘሕዝን እዩ።
ጸረ ህዝቢ ስርዓታት ዝግለጽሎም ተግባራትን ኣብ ህዝቢ ዘውርድዎ ሳዕቤናትን ብዙሓት እዮም። ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ሕማም፡ ማእሰርቲ፡ ጥሜትን ስደትን ካብቶም ጸረ ህዝቢ ስርዓታት ህዝቢ ንምርዓድ ዝጥቀምሎም ብዙሓት መሳቐይታት ሒደት እዮም። ሓደ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እምንቶ ዘየብሉ እሞ ብሰንኪ ተግባረይ ህዝቢ ኣይድቅሰለይን እዩ ኢሉ ስለ ዝሰግእ፡ ዝያዳ ንምድኻሙ “ከምዚ ኢልካ” ኢሉ ጥራይ ዘይኮነ “ከምዚ ክትብል ሓሲብካ” ኢሉ ይገንሖን የፈራርሖን። ዝመረጾ ሃይማኖታዊ እምነት ናይ ምስዓብን ናይ ምዝራብን ምውዳብን መሰረታዊ መሰሉ እውን ይነፍጎ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ እቲ ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ዝተዓጥቀ ስርዓት በዚ ስለ ዘይዓግብን ነቲ ዝጸልኦ ህዝቢ ዓይኑ ክርእዮ ስለ ዘይደልን “ብማይ ቀጠነ” ኣሲሩ የሳቕዮን ይስውሮን። እዚ ኩሉ ተግባራት ብህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ጌና ዝፍጸም ዘሎን እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ትካል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ የለን። ብዘይካተን ካብ ግዜ መግዛእቲ ዝተወርሳ ሓድሽ ሆስፒታል ተሃኒጹ ዝብል ዜና ኣብ ኤርትራ ኣይስማዕን። ጉዳይ መራኽብታት፡ መንገድታትን ካልእ መሳለጥያታትን እሞ ከኣ ኣይለዓልን እዩ። ንጸዓት ዝምልከት ከኣ “ተኸዲኑ ይብሰል” ኢልካዮ ምሕላዩ’ዩ ዝቐልል። ኤርትራውያን ኣይኮነንዶ ኣብ ሃገሮም ላዕለዋይ ደረጃ ሕክምና ክረኽቡ ቀሊል መዕገሲ ቃንዛ ንምርካብ እውን ናብ ወጻኢ ኣብ ዝቋምትሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ።
ካብዚ ጉዳይዚ ከይወጻእና፡ ቅድሚ ለባዳ ኮረና ቫይረስ ምግጣሙ፡ ብሓፈሻ ናብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ናብ ጐረባብትና ሃገራት ኡጋንዳ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንሕክምና ዝኸዱ ኤርትራውያን ኣሸሓት እዮም። እዞም ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ካብዘን ሃገራት ናብ ሃገሮም ምምላስ ተኸሊኦም ኣደዳ ክራይ ኣባይትን ስእነት መግብን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። ህግዲፍ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣጊድዎም ዘሎ፡ ብምክልኻል እቲ ቫይረስ ኣመሳሚሱ ካብን ናብ ኤርትራ ምምልላስ ነፈርቲ ስለ ዝኸልከለ እዩ። ኣብ ህግዲፍ ሓደ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ምርካብ ምንጻግ፡ ምዕጻውን ምኽልካልን ልሙዳት እዮም። ህግዲፍ ብሓቂ ጉዳይ ቫይረስ ዝገድሶ እንተዝኸውን ነቲ ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ዓብይ ብጽሒት ከም ዘለዎ ብተመራመርቲ ናይቲ ሕማም ዝእመነሉ “ምርሕሓቕ” መተገደሰሉ። ካብዚ ተገዳስነት ነቒሉ ከኣ ተመሃሮ እኹል መከላኸሊ ኣብ ዘየብሉ ኣገዲዱ ናብ ዝተጨናነቐ ሳዋ ወሲዱ ኣይመዳጐኖምን። ነቶም ብዘይፍርዲ ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉድን ኮንተይነራት እሞ ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ኣየር ኣሲርዎም ዘሎ ግዳያት እውን መፈተሖም።
ኣብዛ “ቤት ትምህርቲ ተሃኒጹ” ወይ “መዘናግዒ መንእሰያት ተኸፊቱ” ዝብል ጥዑም ዜና ዝሓረማ ሃገርና፡ ልዕሊ 300 መብዛሕትኡ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዘለዋ ግና ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦን “ዓገብ” ዝበሃሎ ዘሎን እዩ። መብዛሕተኦም ካብቶም ህዝቦም ዝጠለሙ ላዕለዎት ወታደራዊ ሓለፍቲ እቲ ስርዓት ከከም ናብቲ ጉጅለ ዘለዎም ቅርበት “እንዳ ጀነራል እገለ” እናተባህለ ዝጽዋዕ ነናቶም ቤት ማእሰርቲ ክውንኑ መሰል ኣለዎም። እዚ ናይ ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ንጹሃት ዝሳቐይሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉልበቶም ተመዝሚዙ ርሃጾም ፈሲሱ ብዘይክፍሊት ሕርሻ ናይቶም ሰብ ጽሩራ ዘልምዕሉን ገዛውቶም ዝሃንጽሉን እዩ። እዚ ናይ ባርነት ህይወት ነቶም “ኣገልግሎት” ዝበሃሉ ከይተኣስሩ እሱራት እውን ክሳብ ራሕሪሐምዎ “ዝወሓጠ ይውሓጠና” ኢሎም ዝስደዱ ዘረኻኽበሎም እዩ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ “ናይዚ ሙያ’ዚ ክኢላታት ብከምዚ ዓይነት ደረጃ ተመሪቖም” ዝብል ወረ ዳርጋ ኣይስማዕን እዩ። ክንድዚ ኣመንቲ ካብ ቤተ ጸሎት ምስ ስድራቤቶም ተኣሲሮም” ዝብል ግና መዓልታዊ ዜና እዩ። እቶም ዝእሰሩ፡ መእሰሪኦም ምኽንያት ዘይንጹር፡ ዝተኣስርሉ ቦታታት ዘይፍሉጥ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ከይቀረቡ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝገበሩ ዝርከብዎም ምዃኖም ከኣ ነቲ ማእሰርቶም ዘስደምም ይገብሮ።
ካብዞም ናይ ማእሰርቲ ግዳያት መብዛሕተኦም ወይ ዝኣመንዎ ሃይማኖት ብምስዓቦም ወይ ድማ ህዝብን ሃገርን ክርህዎምስ “ብኸምዚ እንተንምራሕ” ዝብል ሓሳብ ዘተንፈሱ ምዃኖም ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ጸረ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ እዩ። ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ማእሰርቲ “ከምዚ ተዛሪብካ ከምዚ ፈጺምካ” ጥራይ ኣይኮነን። “ከምዚ ክትብል ሓሲብካ” እውን ዘእስርን ሃለዋትካ ዘጥፍእን እዩ።
ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ሳሕቲ ዘጋጥም ዘይኮነ፡ ዕለታዊ ተግባር ናይቲ ስርዓት ኢልካ ዝውሰድ እዩ። እንተኾነ ከምቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ህግዲፍ ስደትን ኣብ ስደት ዘጋጥም ሞትን ሓደጋን ዳርጋ ንቡር ክነሱ፡ ነቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፓዱሳ ኣብ ልዕሊ ዝያዳ 350 ኤርትራውያን ዝወረደ መቕዘፍቲ እሞ ንዓለም ዘደንጸወ ሓደጋ ፍሉይ ጠመተ እንህቦ፡ ኣብ ተመኩሮ ማእሰርቲ እውን ፍሉይ ቆላሕታ ዝወሃቦ ኣጋጣምታት ኣሎ። እቶም ንምልኪ ኣወጊዞም፡ መስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ይጀመር ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ንፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ጽቡቕ ኣንፈት ሒዞም ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብወፈራ ዝተኣስሩላ 18 መስከረም 2001 ፍሉይ ጠመተ ዝወሃባ እያ። ኣብዚ ግና እዚ ምእንቲ’ቲ መጻኢ ዕድል ህዝብና ዝውስን ራህዋን ቅሳነት ስለ ዝተሰለፉ ጥራይ ቅድሚ ተረኽቦ 18 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ኤርትራ ዝተዳጒኖም ዝበልዩ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝነበሩ ወልደማርያም ባህልቢ፡ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን መሓመድ ዓሊ ኢብራሂምን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።
እዚ ማእሰርቲ ኮነ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሕሰማት ካብ ህልውና ህግዲፍ ፈሊኻ ስለ ዘይርአ፡ ንሱ ክሳብ ዘሎ እቲ ስቓይ ቀጻሊ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣገዳሲ ጠመተ ዝወሃቦ ናይ ማእሰርትን ህልቂትን ኣጋጣሚታት ክንዝክር እንከለና፡ እቲ ቀንዲ ኣድህቦና ናብ ምዝርዛር ዛንታ ቃልስን ቅያን ናይቶም ግዳያት ማእሰርቲ ዘይኮነ፡ ናብ ሓቢርካ ምውጋድ እቲ ጠንቂ ማእሰርቶም ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ “እቲ ኣሳሪ እንተዘይተወጊዱ” ኣረዲእናን ጸዊዕናን ባህሪኡ ኣቐይርና ፈታሕን መሓርን ክንገብሮ ስለ ዘይንኽእል።
መግለጺ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን ብምኽንያት 18 መስከረም!
Saturday, 19 September 2020 10:16 Written by ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣንኣብ ኤርትራ ከም ሓድግታት ምምሕዳር ኢጣልያ ዝውሰዳ ብዙሓት ትካላትን ፋብሪካታትን ነይረን። ወያ ሎሚ ኸፊእዋ ዘሎ ውቅብቲ ዋና ከተማ ሃገርና ኣስመራ ብዓባያ እውን ኣብዚ ዝርዝር ሓድግታት መግዛእቲ እያ እትጥቀስ። ኩሎም ድሕሪ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝመጹ ምምሕዳራት ከኣ ኣብ ምዕናውን ምድኻምን ናይዘን ትካላት ነናቶም ኣሉታዊ ግደ ነይርዎም። ንኣብነት ምምሕዳር መንግስቲ እንግሊዝ ምስቶም ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተመሳጢራ ነቲ ካብን ናብን ኣስመራን ባጽዕን ብስሉጥ ንብረት ዘመላልስ ዝነበረ ተለፍሪካ ከም ዝሸጠት ብሰፊሑ ዝዝንቶ እዩ። ካብ ግዜ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚርካ ኣዕኑድ ተለፎን ከይተረፈ፡ ብዙሓት ትካላት ካብ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ተወሲደን እየን።
ካብቲ ካብ ምምሕዳር ኢጣልያ ዝተረፈ ሓድጊ እሞ ድሕሪኡ ምርኡይ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ፡ ትካላት ትምህርቲ ብኣብነት ዝጠቀሳ እየን። እታ ኣብ ኤርትራ “ሓንቲ ከም ሓሙስ” ትበሃል ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከኣ ናይዚ ኣብነት እያ። እንተኾነ ብዘይመተካእታን ብዘይቅቡል ምኽንያትን ብ2003 ካብ እትዕጾ እነሆ 17 ዓመታት ኮይኑ፡ ኤርትራ “ዩኒቨርስቲ ዘየብላ እንኮ ሃገር” እናተባህለት ትጥቀስ ኣላ። ኣብዚ ለንቅነ ከኣ ቤት ትምህርቲ ጥልያን ኣስመራ ፈቓዳ ብምምሕዳር ህግዲፍ ከም ዝተመንዘዐ ዝሕብር ዜና ብሰፊሑ፡ ዋላ ኣብተን ምስ ህግዲፍ ዝዳናገጻ ማሕበራዊ ሚድያታት ተዘርጊሑ ኣሎ።
ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣስመራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ጉንበተ-ሰነ 2020 ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ከም ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ተዓጸወት፡ ወዮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምዕጻው ዝለመደን ምስ ናይታ ቤት ትምህርቲ ምምሕዳር ኣብ ቀጨውጨው ዝጸንሐን ህግዲፍ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ሒዝካ ምእላዩ፡ ንፈቓድ ናይታ ን103 ዓመታት ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ስሒብዎ። ብሓቂ ምምሕዳር ህግዲፍ ምናልባት እውን ኣብ መስርሕ’ቲ ኣተዓጻጽዋ ናይታ ቤት ትምህርቲ ዕቃበ እንተዝነብሮ’ውን ሓላፍነት ወሲዱ ከጻርን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክመልስን መተገብኦ እምበር፡ ኣብ ህልኽ ኣይመኣተወን። እንተኾነ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ፡ ነቲ ምዕጻው መሊሱ ረጊጥዎ። ናይ ብዙሓት ናይ ጽባሕ ሰብ ተስፋ ህጻናት ናይ ትምህርቲ መኣዲ ከኣ ዓጽዩ። ነቲ ኩነታት ብቕረባ ዝተኸታተልዎ ከም ዝገልጽዎ፡ እዛ ለንቅነ ፈቓዳ ዝተሳሕበ ቤት ትምህርቲ ጣልያን ኣስመራ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ፈደረሽን፡ ሃይለስላሴን ደርግን ምስ ኩሉቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጸገማት ብዘይምቁራጽ ኣገልግሎት ክትህብ ጸኒሓ እያ። ሎሚ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ግና ተረጊጣ።
ኣብዚ እዋንዚ ብኣዋጅ ደኣ ኣይዘረብ እምበር፡ እተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኤርትራ ዘለዋ ናይ ካለኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን ነናይ ከባቢአን መንእሰያት ናይ ምስትምሃር ሓላፍነተን ካብ ምዕጻው ብዘይትሕት ተገፊፉ፡ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሓንቲ ኣብ ሳዋ እትርከብ፡ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ካብ ምባላ መዳጐኒት ክትብላ ዝቐልል ማሕዩር እዮም “ዝመሃሩ” ዘለዉ። ኣብ 2019 ካብ 20 ንላዕሊ ዝተፈላለየ ደረጃ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብ ሓያለ ኩርነዓት ኤርትራ ዝርጋሐ ዝነበረን ትካላት ምዕጻወን እውን፡ መግለጺ ሕዱር ዓጻዊ ባህሪ ናይቲ ጉዳም ጉጅለ እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ እንተነቋምት እውን ዓጻዊ ባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘላግጽ ዘሎ ጉጅለ ኢና እንርዳእ።
እዚ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ዝምድና ዘለወን ግና ድማ ህዝቢ ኤርትራ ክግልገለለን ዝጸንሐ ትካላት ምዕጻው ዲፕሎማስያዊ ትሕዝቶ እውን ኣለዎ። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ብ1991 ምስ ዓብይ ተስፋ ዝተጀመረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ብሰንኪ ገታር፡ ስሱዕን ዘይውሕሉልን ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ 2001 ንቁልቁል ክንቆት ምስ ጸንሐ እዩ ሎሚ መሬት ዘቢጡ ዘሎ። ብፍላይ ከኣ ካብ 2002 ጀሚሩ ብዙሓት ናይ ኢጣልያ ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላታት ነቲ ዝምድና ከዕርይዎ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ፈቲኖም እዮም። ናይ ኢጣልያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምክትል ምኒስተር ላፖ ዲስተሊ ብ2014 ናብ ኤርትራ ዝገበርዎ እሞ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ዑደት ኣካል ናይቲ ጻዕሪ ነይሩ። እንተኾነ እዚ ዑደትዚ ድሕሪቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሃለቕሉን እሞ ዓለምና በቲ ተረኽቦ ኣዝያ ክትሓዝን እንከላ፡ መንግስቲ ህግዲፍ ዘይተገደሰሉ ተረኽቦ ዝተኻየደ ስለ ዝነበረ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውጽኢት ኣየመዝገበን።
ጉጅለ ህግዲፍ ረብሓ ህዝቢ ዘቐድም ውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርት ባህሪኡ ስለ ዘይፈቐደሉ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ምትህልላኽን ምጽብጻብን እዩ ኣትዩ። ናቱ ግናይ ግብሪ ኣቐሚጡ፡ ንጉጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ክኣስር እንከሎ እውን፡ ካብቶም ኢድ ብምእታው ዝኸሰሶም ሓደ ኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ እዩ። ካብዚ ተበጊሱ እዩ ከኣ ንኢጣልያዊ ኣንበሳደር ኣንቶኒዮ ባንዲኒ ኣብ 2001 ዝሰጐጎም። ነቲ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ 2014 “ሓውኻኸ ኣበይ ኣሎ” ብዝብል ንዘቕረብዎ ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝሰሓበን ሓያል ሃወርያዊ መልእኽቲ እውን “ኢድ መንግስቲ ኢጣልያ ኣለዎ” ብዝብል ኣቖጢዕዎ እዩ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ እቲ በተን ዝተዓጸዋ ትካላት ትምህርቲ ኮነ ሕክምና ክጥቀም ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ሕውየት ህዝቢ ሕውየቱ፡ ፍልጠት ህዝቢ ከኣ ፍልጠቱ ነይሩ እንተዝኸውን ንዝምድናኡ ናይ ህዝቢ ተጠቃምነት ብዘይጐድእ መንግዲ መሓዞ። ኣይኮነንዶ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ክዓጹ፡ ሓደስቲ ትካላት ዝኽፈተሉ ኩነታት ክፈጥር መጸዓረ። እንተኾነ ከምቲ “…….. ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ስለ ዘይኮነ ተመኩሮኡ ብገበርቲ ሰናይ ዝድገፋ ህዝቢ ዝግልገለለን ትካላት ኣብ ምዕጻው እምበር ኣብ ምኽፋት ሓደስቲ ከምዘይኮነ ባዕሉ የመስክር ኣሎ።