ካብቲ ናይ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ዲና?፡ እዚ ምልካዊ ኣተሓሳስባ እዚ እንተስ ብግሁድ ወይ እውን ተዘዋዋሪ መገዲ፥ “ኣነ እየ ዝመርሓካ”  ዝብል ስምዒት ካብ ኣእምሮና ኣይተሓኸኸን ዘሎ። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ይኸውን፡ ነቲ ዘሰማምዓካን ዘራኽበካን ገዲፍካ፥ ኣብቲ ዘየራኽበካን ዘየሰማምዓካን ሸንኮለል ዘብለና ዘሎ። እወ! ወግሐ ጸብሐ ዋላ እኳ ውደባ እንተዘይተጸልአ፥ ወትሩ ሓዲሽ ውደባ ምፍጣር ንገዛእ ርእሱ  ካብቲ “ኣነ እየ ዝመርሓካ፥  ዝብል ኣተሓሳስባ ናጻ ኣይኮነን።

ልክዕ እዩ፡ ወዲ ሰብ ካብ መፈጠርትኡ ኣትሒዙ መነባብሮኡ፥ መግቡ፥ ክዳኑ ከምኡ እውን መጽለሊኡ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ተፈጥሮኣዊ ኣድልይነታት ከውሕስ ይኹን ንባህሪ ክቆጻጸር ክቃለስ ናይ ግድን እዩ።   ነዚ ብተግባር ከሰንዮ ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ፥  ካብ ግዚ ናብ ግዜ ጥሙሓት ወይ ጦብላሕታታት  ከዛይድን፡ ብኡ መሰረት ድማ ናይ ምብሓትን ምውናንን፥ ካልእ ባህርያት የጥርን የማዕብልን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ዝውንን ባእታ፡ ድሌቱ ከዕውት ስልጣን ናይ ምጭባጥ  ሕልና ክህልዎ ይኽእል እዩ።   እዞም ከምዚ ዝተጠቕሰ ባህሪ ዘለዎም ሰባት፡ ስልጣን እንተጨቢጦም ድማ፡ ክጭቁኑን ናተይ ስምዑ ዝብል ጠባይ ከምዘማዕብሉ ክጽዕሩን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ናይ ስልጣን ምብሓት ሕልና፡ ምስ ካልኦት ኢሂን ምሂን ኢሉ ክዛተየሉን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጠሉን፡ ዘኽእል ተጻዋርነት የብሉን። እዚ  ነቲ ፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ኣሳታፍነትን ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ ኣምራት ክኣምነሉ ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ ሕልና ወዲ ሰብ ምስቲ ባህርያዊ ተፈጥሮኡ  ተኣሳሲሩ ነቲ ድሌታቱ ከምዝግዛእ ብሩህ እዩ። 

ካብዚ ብምንቃል ሓደ ሰብ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ናይ ውልቁ ዝና፡ ረብሓን ስልጣንን ልዕሊ ኩሉ ገይሩ ስለዝወስዶ፥ ናይ ካልኦት ሓሳባትን ርእይቶታትን፡ ኣብ ግምት ከኣቱ ይኹን ናይ ምስማዕ ተዕግስትን ተኽእሎን ፈጺሙ የብሉን። እዚ ባህሪ እዚ  ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐን እናደልደለን ዝኸይድ  ጥሙሓት ይዕብልል። ነዚ ጥሙሓት እዚ ንምትግባር ድማ ሃይማኖታዊ፥ ዓሌታዊ (አትኒክ) ባህላዊ ወይ እውን ኣደናጋሪ ነፍሕታት፡ ዝምቡዕ ሓበረታን፥ ኣጉል ተስፋን ከይተጠቕመ ስልጣን ዓትዒቱ ኽጭብጥ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ፡ ስልጣኑ ብሒቱ ካልኦት ድማ ብሒም ከምዘይብሉ ክቕጽል እንተኾይኑ፥ እቶም ካብ ስነፍልጠት ወጻኢ ዝኾኑ ድሑር ኣተሓሳስባታትን “ኣነ እየ ዝመርሓካ” ዝብል ኣተሓሳስባን ጥራይ እዮም። እዚ ነቲ ሕብረተሰብ  እንተስ  ሓለፋታት ብምሃብ ወይ  ኣፈራሪሑ ወይ እውን ከፋፊሉ ብምግዛእ  ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንኸእትዎም ግርም ገይሩ ዝሕግዞ ጉዳይ እዩ።  ብፍላይ እቲ ሕረተሰብ፡ ኣብ ጸጊዕነትን ድሑር ዝምባሌታትን ዝጠሓለ እንተኾይኑ፥ መፍቶ ናይቶም ኣነ ኢየ ዝመርሓካ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዓቢ መኽሰብ እዩ። ስለዚ እዞም ብመልሓስና ዲሞክራሲያውያን ኮይና እንምድርን ንህዝቢ ኣሎናልካ እናበልና እንጥብርን  ነቲ  ዝተጠቕሰ ድሑር ንዕምሪ ስልጣጣንና ዘናውሕ ዝንባለታት ክንጥቀመሉ ናይ ግድን እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡  ኣብቲ ስነ-ልቦናን ኣተሓሳስባን እዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ሽግር።  ገሊኡ ኣዛዚ ወይ  ሓለቓ ኮይኑ፡ ንሱ ዝደልዮ እምበር ናይ ካልኦት ሓሳብ ኣብ ግምት ከእቱ ዘይደሊ። ስልጣን ኣብ ኢዱ ምስ ጨበጣ ኣብ ክንዲ ብሰፊሑ ሓሳባት ምውህላል፡ ኣብ ናይ ውሑዳት ሓሳባት ይሙርኰስ። ነዚ ንምትግባር  ኣብ ዙርያኡ”እወ ሓቅኻ” እናበሉ ዘሻድንዎ ኣካላት መሪጹ ኣብ ጎኑ ይእክብ።  ነዚኦም ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተዎም ከኣ ኣነ ዝበልኩኹም ግበሩ ካብ ዝብል ሓሳብ ኣይወጽእን። ብተወሳኺ ዝምድናታቱ ምስቶም ዝኣምንዎን፥ ንሱ ውን ከምድላዩ ሸዀርተት ዘብሎምን ኮይኑ፥ ንርእይቶታት ካልኦት  ሸለል ኢሉ ከመሓድርን ክቆጻጸርን ኣነ እየ ዝመርሓካ ዝብል ባእታ ይኸውን። ኣብ ከምዚ እዋን እዚ፥ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ወይ  ዝኽተል ባእታ፡ ነታ ንሱ ዝደልያ ንዝጻረር ኣካል፡ ኣብ ጐድኑ ወይ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ ምስኡ ክዋሳእ ፈጺሙ ቅሳነት ኣይህቦን። በዚ ምኽንያት ካብኡ ብርእይቶ  ዝፈለዩ ወይ ዝፍለ ዝበለ፥ ብገለ ምኽንያት ኣመሳሚሱ  ልክዕ ከምዛ ውለቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝገብራ፥ ካብ ሓላፍነት የውርዶ። እዞም ከምዚ ናይ በዓል ኢሰያስ  ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም  ባእታታት፡ መጀመርያ ዲሞክራሲ ንእትብል ቃል ፈጺሞም ኣይኣምኑላን ኢዮም። እቶም ንዲሞክራሲ ንኣምን ዝብሉ  እንተኾኑ እውን፥ ነቲ ንሶም ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ሓሳባቶም ጥራይ ክስዕር ዝደልዩ እምበር፡  ነቲ መሰረት ናይ ዲሞክራሲ ኣብ ታሕቲ ክሃንጽዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ ኣብታ ስልጣኖም ክትመጾም ስለዝኾነካ ንትሓታትነትን ቁጽጽርን ድልዋት ኣይኮኑን።

ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም

Thursday, 30 April 2020 08:39 Written by

ወዲ ሰብ ሕልንኡ ምስ ደኸመ ወይ እውን ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ኣብ መርገምን ኣጉል ትጽቢታትን እዩ ዘድህብ።   ተጠርኒፉን ተወሃሂዱን ብሓባር ብምስራሕ፡ ነቲ ዝዕንቅጾ ዘሎ ከልግስ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፥ ትኽ ኢሉ ኣብ ከተኣማምን ዘይክእል ጥርጠራታት ንኽኣቱን ከእቱን እዩ ዝጽዕር። ሓደ ካብ ባህርያት እዚ፥ ንታሪኽ ብምዝንባዕን ግጉይ ሓበረታ ብምሃብን ነቲ ክገብሮ ዝግበኦ  ከም መመኽነይታ ይጥቀመሉ።

ሓደ ሕብረተሰብ  ንፖለቲካዊ ስነፍልጠት ጎስዩ ናቱ ሓሳብ ጥራይ ዝዝርግሕ፥ ኣብ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ሓበረታ ከጋጥሞ ከሎ እንታይ ክገብር ይኽእል።? እቲ ተገራጫዊ ሓበረታታትከ እንታይ ዝመስል እዩ እውን ነግዛእ ርእሱ ክመምዮዶ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ እዚ ድማ ኩሉ እቲ ሕብረተሰብ  ሓደ ዝዓይነቱ ርእይቶታት ዘይኮነስ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት እዩ ዝውንን። ነዚ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ምስቲ ንሓድሕዱ ዝገራጮን ሓቅነትን ጭብጥን ዘይብሉ ሓበረታ ምስ ዝውሰኾ ናብ ዘይርጉእ ሃዋህው እዩ ዝነቚቶ። ነቲ ተገራጫዊ ሓበረታታት ድማ በየንን ካበይን ይውንጨፍ ኣሎ መምዩ ነቲ ክስማዕ ዝከኣል ንኸይሰምዕ እውን ዓቐብ ይኾኖ። ኣብ ከምዚ ምጥርጣራት ወይ ድማ ዘይርጉእነት ህሞት  እቲ  ከም መከላኸሊ ዝጥቀመሉ ሽፋን ዝያዳ ናብቲ  ዘደናግር ሓበረታ እዩ ዝቋመት። እዚ ኣደናጋሪ ሓበረታ’ዚ ገሊኡ ነታ ናቱ ሓሳብ  ወይ ድሌቱን ባህጉን ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ፥ ገሊኡ ድማ በኣንጻሩ ክኽውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ እቲ ሓቀኛ  ሓበሬታ ክበርሃሉ ከሎ እዩ ዝያዳ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምትእምማንን ነቲ ዝድለ ዘሎ ሸቶ ንምህራምን ጭቡጥን ግብራውን ስራሓት ከሰላስል ዝኽእል። ንነገራት ውን ብግቡእ መዚኑ ነቲ ድሓርን ቅድምን ዝመጽእ ሳዕቤናትን ተረኽቦታትን ክመምን ከስተውዕልን ዝኽእል።

ሎሚ፡ ካብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝኾነ ተረኽቦ ጽጹይ ሓበረታ ከምዘይርከብ’ኳ እንተተፈልጠ፥ ደቂ ሰባት ግና ግምታት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ናቱ  ናይ ሽሕጣንን ምጥባርን ኣገባባት፥  ከምኡ እውን ኣደናግርን ዝንቡዕን ወረ ፈንዩ ነቲ ህዝቢ ኣቕጣጫኡ ንኽስሕት ዘይገብሮ ጻዕሪ የለን። እወ! ኣብዚ ቅንያት እዚ ኢሰያስ መይቱ፥ ትባሂሉ እንደገና ግን ካብ ሞት  ተንሲኡ ዝብል ወረ ድማ  ትሰምዕ። ነዚ እቲ የዋህ ሰብ ተመስገን እንቋዕ ከደልና እዚ ጋኔን ዘይበለ ኣይክህሉን እዩ። ገሊኡ ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተግባራት እዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበን ዘስካሕከሐ ከኣ በሉ ሕጅስ ነኣና ዝኸውን ይፍጠረልና ዝብል ከኣ ኣይሰኣንን ይኸውን። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ  ጠቕሞም ምስ እዚ ስርዓት  ዝተኣሳሰር ናይ ሓዘን ምልክትን መሬት ወሓጥንን  ኣብ ዝዓይነቱ ስምዒት ክሽመሙ ምዃኖም ርጉጽ እዩ። ኣብኡ ክሽመሙ ጥራይ ዘይኮነስ ብህዝቢ ውን ክፍንፈኑ እዮም።

እቲ ኣውራ ዘዛርብን ኩልና ክንሓስበሉ ዝግበኣናን ጉዳይ ግን ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ ሎሚ፥ ህዝቢ አርትራ በዚ ናይ ተቓዋማይን ደጋፋይን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ኣሎ። እቲ ተቓዋሚ እውን ኣብ ንሓድሕዱ ስኒትን ምትእምማንን ኣብ ዘይብሉ  ዘለናሉ እዋን ትዕድልቲ  ናይ ህዝብናን ሃገርናን እንታይ ከኸውን ወይ ከመይ ክመስል እዩ ዝያዳ ከሕስበና’ዩ ዝግባእ። ኢሰያስ እንተስ ብሞት ወይ እዋን ዕምሪ ስልጣኑ ኣብቂዑ ዝውገደሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። ግን ንሕና ኤርትራውያን ከብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝረኸብናዮ ኣደራዕ ብጠባሪ መልሓስን፥ ንሕና እምበር ካልኦት ኣየገድስን ካብ ዝብል ሓሳብ ክንወጽእ ኣሎና። ካልኣይ ነጥቢ፡  እቲ ንኹልና ዘርበሓናን፥ ቀሲንና እንነብረሉ ውሑስ ሃለዋትን መሰል ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝሕለወሉን ኣገባብ ከመይ ገርና ነጣጥሕ ኣሎና ዝብል ክንሰርሓሉ ኣሎና።

ኣብ ከምዚ ዝተፈላለናሉ እዋን፥ እቲ  ደሓር ዝመጽእ ኣብ ቅድሚት ሰሪዒና ክንዋገ እንተዀና  ግጉይን ኣሉታዊ ውጽኢትን እዩ ከስዕበልና። እዚ መድረኽ እዚ መድረኽ ምክእኣልን ምጽውዋርን፥ ንኩነታት ብግቡእ ምርዳእን ብኡ መሰረት ድማ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣተሓሳስባን ግብሪ ዝስነዮ ኣገባብን ክንክተል  እዩ  ዝዕድመና። ንሱ ድማ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ "ሓሸውየ ውድባት ኣየድልን፡ ክኣቱ ዝደሊ ይእቶ" ክበሃል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት ውሳኔን  ንሓቢርካን ተኸባቢርካን ዘናብር ናይ ስልጣን ምምቕራሕን  ስነ-ሓሳብ ክንውንን የድሊ። እዚ ማለት፥ ካብ  ዓሌታውን ብሄራውን ስምዒታትን መንነትን  ነቒልና፥  ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ክንብል ሃይማኖት፡ ቋንቋን ስነ-ሓሳብን ከም መሳርሒ ንናይ ስልጣን ምጭባጥ ክንጥቀም ኣይግባእን።  

ኢሰያስ  ይሙት ይሃሉ ነቲ ፍቕሪ ሃገርን  ሃገራውነትን፥ ሕውነትን ምክብባርን  ዝደምሰሰ ምልካዊ ኣተሓሳስባ  ወጊድ ኢልና፥ ኣብ ክንድኡ ንህዝብና ዘሳኒ ቅኑዕ መሕደራ ክንትክኦ ኣሎና። እዚ ምስ እንገብር፥ ሃገርና ብሓባር ክንሃንጽ ዝዕላምኡ ሓሳብ ክነኻዕብትን ፍትሓውያንን  ሕጋውያንን  ካብ ምዃን ሕጂ ውን ኣይንተሃመል። ካብ ኩሉ ድማ ንሕና ናጻ ኣውጺእናያ፡ ንሕና ድማ ነዚ መላኺ ስርዓት ባሕጒግና ደርቢናዮ፡ ካብ ዝብል ሓሳብ ወጺእና ንሶምዶ ንሕና፡ ዝብል ንጎንኒ ኣቐሚጥና ዝድግፍን ዝቃወምን ዝነበረ፥ ሓቢርና ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ክንሃንጽ  ናይ ኩልና ሓባራዊ ዕማም ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

እወ! ናይ ኢሰያስ ሎሚ ዲዩ  ጽባሕ ሞት ወይ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ዘይተርፍ እዩ። ግንከ ከምቲ "ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም" ዝበሃል ንሱ ጥራይ የልግሰልና ኢልና ክንቀስን ኣይግባእን።  ምኽንያቱ ኩልና ኣብ ትሕቲ ብልሹው ምምሕዳርን ጨቋንን መላኽን ስርዓት እንመሓደር ዝነበርና ብምዃንና፡ ካብቲ ዝነበረ ግፍዕን በደል ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰልን ዝወልዶ ምጥርጣራትን ዘይምትእማን ክህሉ እዩ። ነዚ ንምፍዋስ ወይ እውን ካብዚ ጨቋኒ ስርዓት ዝፈጸሞ  ዘናግፍ ፍኖተ ካርታ (መርሃ-ገበይ) ኣብ ኣእምሮና ክንቀርጽ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ኢሰያስ ሞይቱ እንደገና ተንሲኡ  እናበልና፡ ኣብ ንሓድሕድና ዘጠራጠርን ምትእምማን ዘስእንን ምፍልላያት ደው ክነብሎ ኣሎና። ካብዚ ብተወስኺ፡ ነቲ ጽባሕ ዝፍጠር  ስነ-ምግባርን ስነ-ስርዓትን ዝጎደሎ ኣካይዳ ምስ እንጎዓዝ ካብቲ መላኺ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ልዕሊኡ  ክንገፍዕን ክንጭቁንን ኢና ማለት እዩ።

ቀንዲ ቆላሕታ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣንጻር መግዛእቲ ኮነ፡ ደሓር  ኣንጻር ዘቤታዊ ጭቆናን ወጽዓን ኣብ መንነት ናይቶም ገዛእትን ወጻዕትን ዘትከለ ዘይኮነ፡ ኣንጻር’ቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ዝነበሩን ዘለዉን ኣተሓሳስባን ኣዕናዊ ሳዕቤኑን ነይሩን እዩን። ኣብቲ ምረት ናይቲ ወጽዓ፡ ግደ ናይቶም ተግበርትን ተዋሳእትን ኣካላት’ኳ ቀሊል እንተዘይነበረ፡ እቲ ቀንድስ ኣብቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ዘየናሕሲ ኣተሓሳስባን ዝዋስእሉ ኮርኳሕ ሜዳን እዩ ዘሎ። እዚ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ እንተዘይተበርቊቑ ወይ እንተዘይተሳዒሩ ሓደ ተዋሳኣይ እንተሓለፈ ብኻልእ መልክዑ ቀይሩ ዝመጽእ መዕሸዊ ህይወት ናይ ምስኩዑ ዕድል ክፉት እዩ። ኮታ ከምዚ ሓደ ኦም እንተቖሪጽካዮ ናይ ምጭብጫብ ዕድል ዝህልዎ፡ ኩዒትካ ካብ ሱሩ እንተምሒኻዮ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩ ዝበርስ ጌርካ ምውሳዱ ዝከኣል እዩ።

እቲ ኣተሓሳስባ ንሓዋሩ ክጠፍእ ወይ ተመሊሱ ክጥጥዕ ዝውሰን ኣብ ኢድ እቶም ገዛእቲ ወይ ጨቆንቲ ጥራይ ዘሎ ዘይኮነ፡ ናይቲ ተገዛኣይ ወይ ተወጻዓይ ሓፋሽ፡ ነቲ በደላት ዘይቅበል ንቕሓትን ቅሩብነትን ምሕዳርን ዘይምሕዳር ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ወጽዓን ጭቆናን ንሓዋሩ ናይ ዘይምምላስ ውሕስነት ዝረክብ ብናይ ውሱናት ገዛእን ዘመናውያን ጨቆንትን ሙሟት ወይ ምሕማም ዘይኮነ፡ ንመግዛእትን ወጽዓን ዘይጸውር ናይ ህዝቢ ተረድኦ ብዘተኣማምን ሱር ሰዲዱ ክሰርጽ እንከሎ ጥራይ እዩ። ናጽነትናን ሓርነትናን ኣብ ኢድ ህዝብና ዘሎ ውሳነ እዩ እንብል እውን ካብዚ ነቒልና ኢና። ስለዚ ራህዋና ኣብ ምሕማም ወይ ሞት ኢሳያስ ዝምርኮስ ከም ዘይኮነ፡ ከነስተብህል ይግበኣና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ቀራን ጸረ ህዝቢ ባእታ ወይ ጉጅለ ተደኒሱዓዲ ክውዕል ወይ ደሓር ከምዘይምለስ ክፋኖ እንከሎ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ኣንጻር ረብሓኡ ዘየውሕስ ኣተሓሳስባ እዩ። ቅድም ንገዛእቲ ሎሚ ድማ ንወጻዕትን ጨቆንትን ዝቆጻጸሮምን ዝዕቅኖምን ከኣ ብመንጽር፥ ቋንቁኦም፡ ሃይማነቶም፡ ወይ ዓሌቶም ዘይኮነ፡ በቲ ንምብዳሉ ዝምርሕሉ ኣተሓሳስባኦምን ብኣኡ መሰረት ኣብ ልዕሊኡ ዘስዕብዎ፡ ቅትለት፡ ስደት፡ ምግፋፍ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰላት፡ ብኩራት ፍትሒ፡ ቁጠባዊ ግበታን ምንፋግ ናጽነት እምነትን……ወዘተ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣታሊልካ እምበር፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ መሊስካን ኣዕጊብካን ናይ ምምራሕ፡ ባህሊ፡ ትዕግስቲ፡ ድልውነት፡ ኣተሓሳስባ ኮነ ዓቕሚ ዘየብሉ ኣብ ናይ ሸፈጥ ዓለም ዝነብር ምዃኑ፡ ሎሚ ኣይኮነንዶ ንዓና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም መለለይኡ ምዃኑ ካብ ዝበርህ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ነዚ ስንኩል ኣካይዳኡ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ከኣ “ሓሶት ነዚሕካ፡ ተመሊስካ ንካለኦት ብሓሶት ናይ ምኽሳስ” ፈሽኳል ተንኮል እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንተረኽቦታት ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ምጽራይ ዘየኽእል፡ ናይ ሓበሬታ ምዕጻው ፖሊሲ ከኣ፡ ንኸምዚ ዓይነት ሸንኮለል ምሉእ ዕድል ክኸፍት ዝተሃንደሰ ሜላ  እዩ። ኣብዚ ካብ ዝጥቀምሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ግዜ እንዳጽነዐ ንገለ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምሕማም ንሓንሳብ ድማ ምቕታል እዩ። “እገለ ንመንግስቲ ከዲዑ” ዝብል ከም ሜላ ዝጥቀምሉ ግዜ እውን ኣሎ። ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ በለካ ለኸዓካ ሃልኪ ከኣ ካብቶም ዘሕምምዎም፡ ዝቐተልዎም ወይ ዘኽድዕዎም ናብ ሚድያ ኣምጺኦም፡ ነቶም ተዛሪቦም ዘዛረብዎም ተመሊሶም ብሓሶት ይኸስዎም። እዚ ብሃውሪ ዝሰርሕዎ ዘይኮነን፡ ካብቲ ኣብ ልምዓትን ምምላስ ሕቶ ህዝብን ክውዕል ዝግበኦ፡ ገንዘብን ክኢላን ተመዲብዎ ዝስራሕ እዩ።

እዚ ጉዳይዚ ኣብ ዙርያ ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ተጠቒመምሉ እዮም። ብዙሕ ግዜ ኣሕሚሞም ኣሕውየምዎ፡ ቀቲሎም እውን ኣተንሲአምዎ። ናብ ዱባይ፡ ጅዳን ኤምረትን ወሲዶም ከኣ ንሓንሳብ ብግብሪ ንሓንሳብ ድማ ንልበወለዳዊ ድራማ  ሕክምና ኣመላሊሰምዎ። ሓደ መዓልቲ እታ ናይ ብሓቂ ሞት ክትመጽእ ምዃና ግና ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ዘይተርፍ ሕጊ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ወዲ 75 ዓመት ኣብ መንእሰያት እውን ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። ሓሚምካ ምድናስ ወይ ሞት ናይ ኢስያስ፡ ብሰንክቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተራእዩ ዘይበሃል በደልን ግፍዕን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘቕልበሉን ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህቦን ግና ፍሉጥ እዩ። ቀንዲ ጠመተ ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ኢሳይስ ከም ሓደ ፍጡር ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይ ኩሉ በደላት መንቀሊ ርኹስ ኣተሓሳስባኡ እዩ። እቲ ንኢሳያስ ዝለኸፈ እሞ ካብ ሰብኣውነት ወጻኢ ከዕንድሮ ዝጸንሐ ቫይረስ፡ ንኻለኦት ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ እውን ለኺፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስትብሃል ከድሊ እዩ። እቲ ኢሳያሳዊ ቫይረስ ዝጠንቁ ሓማም ከኣ፡ ብሞት ወይ ዓዲ ብምውዓል እቲ ቀንዲ ሕሙም ዘይኮነ፡ እቲ ሕማም ጠሪሱ ካብ ኤርትራ ክውገድ እንከሎ እዩ ናይ ምፍዋሱ ውሕስነት ዝረክብ።

ወዮ ግዜ ሓልዩ ዝመጽእ ዝተመርጸ ወረ መስሪሕካ ምዝርጋሕ፡ ለንቅነ እውን ተቐልቂሉ ኣብ ብዙሓት ማሕበራዊ ሚድያታት ከኹድድ ክንዕዘብ ቀኒና፡ እንተኾነ እቲ ናይ ሓበሬታ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ፡ ምስቲ ዕጽዋ ምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ተደሪቡ፡ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ንብዙሓት ኣጸጊምዎም ኣሎ። “እዚ ግደፍዎ ልሙድ ሽንኮለል 03 እዩ” ኢሎም ገጽ ዘይሃብዎ’ውን ብዙሓት እዮም። “እዋእ ኩሉ ግዜ ሓሚምካ ናይ ምሕዋይ ወይ ሞይትካ ናይ ምትንሳእ ፋስጋ የለን” ስለዚ፡ ኢስያስ ሞይቱ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ቃልሱ ብኸመይ ኢሳያስ ይሞተልና ዘይኮነ፡ ብኸመይ ግደ ህዝቢ ዝበረኸሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝቕለስ፡ ህዝቢ ብዝሓንጸጾ ስርዓትን ዝመረጾ ትካልን ዝምራሓሉ፡ ብናይ ሃገሩ ጸጋ ብማዕረ ዝርበሓሉ፡ እሱራት ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ዝቐርብሉ፡ ሰላምን ልምዓትን ዘውሓሰ፡ ምስ ጉረባብቱ፡ ብሰላምን ናይ ሓባር ረብሓን ዝነብረሉን ስርዓት ምትካል እዩ።

ዝነፈሰ ንፋስ እንተነፈሰ  ነዚ መሰረታዊ ዕላማ ቃልሱ  ወትሩ ኣጽኒዑ ክሕዞ ይግበኦ። ኢሳያስ ይሙት ወይ ዓዲ ይውዓል  እቲ ንሱ ህዝቢ ዝጭቁነሉ ዝነበረ ኣተሓሳስባን መሓውርን ሒዙ ዝመጽእ፥ ወልደሚካኤል ይኹን መሓመድ ወይ ኣብርሃም ፈጺሙ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክፍጠር ዝኽእል ተርኽቦ ተደህሊሉ መሰረታዊ ዕላማን ሽኻልን ቃልሱ ከይስሕት ወትሩ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ክኸውን እውናዊ እዩ።

27 ኤፕረል 2020

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

"ኣቱም ሰባት ኪዱ ንዓድኹም ተመለሱ፡ ምምዝጋብን ምቕባልን ተኸልኪሉ'ዩ!"

"ኣይንምለስን ኢና"

" ኣይንምለስን ኢና እንተይልኩም ንኽልተ ቕነ ክንውሽበኩም ኢና። ንኹሉ ወጻኢታት ከኣ ባዕላትኩም ኢኹም ክትሽፍንዎ"

"ገንዘብ የብልናን"

"ዳሕራይ ተሸጊርና ከይትብሉ ኣቐዲምና ንነግረኩም ኣሎና"

"ምርጫ የብልናን - ሕጂ ኣይንምለስን ኢና፡ ዝረኸበ ይርከበና!"

እዚ ኣብ ዶባት ራማ ክሳድ ዒቃ ዝተገብረ ዝርርብ እዩ። እቶም ኣብ ሓለዋ ዶባት ዘለው ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ መንግስትና ስደተኛታት ምቕባል ስለዘቋረጸ ተመለሱ ምስበሉዎም ዝነበረ ዝርርብ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮማንድ ፖስት ተኣዊጁ ብዘሎ ናይ ውሸባ ፖሊሲ፡ ኩሉ ዶብ ሰጊሩ ዝመጽአ ስደተኛ ይኹን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ናይ ግድን ንኽልተ ሰሙን ክውሸብ ኣለዎ።

እንተኾነ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ኮነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መወሸቢ ማእከል ስለዘይብሎም፡ ነቶም ብራማ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ዘይተወደአ ህንጻ እዮም ዝሕዝዎም ዘለው። ህዝቢ እታ ኸተማ ከኣ በብዓቕሞም ይሕግዙ ኣለው።

ኣቶ ተኪአ ዝተባህለ በዓል ጸጋ ትግራዋይ ነባሪ ከተማ ራማ ብርክት ዝበለ ኣሽሓት ወፍዩ ክሕግዞም ከምዝፈተነ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ይዛረብ።

ዳሕራይ ግን እቲ ቑጽሪ እናወሰኸ ምስ ከደ ከምዝኸበዶን ዝምልከቶ ኣካል ቖላሕታ ክገብረሎም ከምዝተማሕጸኑን ምንጭታትና ካብ ራማ ይሕብሩ።

እቶም ናይ ክልተ ሰሙን ውሸባ ዝወድኡ እውን ናብ ካልእ ቦታ ምንቅስቓስ ስለዘየሎ ኣብ ካልእ ዘይተወደአ በዓል ሓደ ደርቢ ህንጻ ተዓቚቦም ኣለው። ገሊኦም እውን ኣብታ ንእሽቶ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ሻሂ ጽግዕ ጽግዕ ኢሎም ነቲ ነዊሕ መዓልቲ የሕልፉዎ ኣለው።

ኣብ ከተማ ሸራሮ እውን ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ገዛውቲ ተዓጽዮም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለው።

ኣብ ሸራሮ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ሕክምና እዩ። እትረፍ ነቶም ስደተኛታት ንባዕሉ ነቲ ህዝቢ እውን ንፈኮስቲ ሕማማት ዝፍውስ ሕጽረታት መድሃኒት ኣሎ። ነቶም ትሕዝቶ ዘይብሎም ክወጽኡን ክንቀሳቐሱን ዘይክእሉ ስደተኛታት ከኣ ዝኸፍአ እዩ።

ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ናይ ዓይኒ ምስክር ምንጭና "ንሕማም ርእሲ ኮነ ንተራ ተቕማጥ ዝፍውስ መድሃኒት ብዘይምህላው እቶም ሰባት ኣዝዮም ተሸጊሮም ኣለው" ክብል ምስክርነቱ ይህብ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን ናይ ማይ ሕጽረት እዩ።

ኣብዚ፡ ማይ ምሕጻብን ምፍንታትን እቲ ቐንዲ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ሽመልባ፡ ሕጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ናይ ማይ ሕጽረትን ናይ ምትሕንፋጽ ሰባትን ኣሎ።

ዝምልከቶ ኣካል፡ ኣብ ቤተክርስትያንን መስጊድን ኣይትተኣከቡ ክብል ኣጥቢቑ እናመኸረ፡ ኣብ ሕጻጽ ዝርከቡ ስደተኛታት ንኣብነት፡ "ድሕነት ካብ ፈጣሪ እዩ" ብምባል ዓርቢ ስቕለት ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ተኣኪቦም ክሰግዱን ክምህለሉን ዝረኣየ ምስክር ዓይኒ ምንጭና፡ " ሕማቕ ኣይምጻእ እምበር እቲ ቫይረስ እንተኣትዩ ከቢድ ክኸውን እዩ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ምኽንያቱ፡ ኣብቲ መዓስከራት ሰባት ከከም ብዝሒ ስድረኦም ኣብ ሓንቲ ገዛ ተጸፋጺፎም ስለዝነብሩ፡ ዝሓመመ ሰብ ከግልሉን ክውሽቡን ዝኽእልሉ ቦታን ዕድልን የብሎምን። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሻቕልን። ኣብ ርእሲኡ ናይ ዕዳጋ ክብርን ሕጽረት ሃለኽቲ ኣቑሑን እውን እንተሎ፡ ከም ሕጽረት ማይ ገይሩ ዘማርሮም ነገር ግን የሎን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

እቶም ዝቕበሎም ኮነ ዝምዝግቦም ዝሰኣኑ ኣብ ፈቐድኡ ዓድታትን ከተማታትን ንግዝይኡ ብሓልዮት ህዝቢ እቲ ክልል ዝሕገዙ ዘለው ኤርትራውያን ግን ናይ ብሓቂ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ሻቕሎትን እዮም ዘለው።

ብፍላይ፡ ነበርቲ እታ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብማእከላይ መንግስቲ ክትዕጾ ዝተወሰነላ መዓስከር ሕጻጽ " እንታይ ክንከውን ኢና! መን'ዩ ዝሰምዓናን ዝረድኣናን!" እዮም ዝብሉ ዘለው።

ነበርታ ሕጻጽ ናይ ግድን ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ-ዓይንን ክትግዕዙ ኣለኩም እኳ እንተተባህሉ ፈጺሞም ኣይተቐበሉዎን።

መንግስቲ ፈደራል ግን እቲ መደብ ብሰንኪ'ዚ ጉዳይ ኮሮና ንግዝይኡ እኳ እንተተናውሐ፡ ናይ ግድን ክትግበር ኣለዎ እዩ ዝብል እቶም ህዝቢ ከኣ "ስለምንታይ ኢኹም ንሸውዓተ ዓመት ካብ ዘጣየስናያ ዓዲ ተፈናቕሉና ዘለኹም" ይብሉ።

እታ ካብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ 40 ኪሎሜትር ርሒቓ ድሕሪ እተን ካልኦት መዓስከራት ዝተጣየሰት መዓስከር ሕጻጽ ብዝሓሸ ኣገባብ እያ ተደኲና።

ኣብቲ መዓስከር ጽቡቕ ማይ እውን ስለዝነበረ፡ እቲ መነባብሮኡ ከመሓይሽ ፋሕተርተር ዝብል ህዝቢ ኣግራብ ተኺሉ ነታ መዓስከር ኣለምሊሙማ እዩ።

ብዙሕ ድኳናት፡ እንዳ ሻሂታት፡ ኣብያተ መስተን መዘናግዕን፡ እንዳ ጠሓኒት፡ ሕክምና፡ ቤት ትምህርትን ቤተክርስትያን ሃኒጹ ካብ ዝተኸላ ዓዲ ስደቱ ክንቀል ኣይደልን ዘሎ እቲ ነባሪ።

ስለምንታይ ግን እዩ ፈደራል መንግስቲ ንሕጻጽ ክዓጽዋን ንነበርታ ናብተን ክልተ መዓስከራት ከሸጋሽጎምን ደልዩ?

ላዕለዋይ ተጣባቒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሰልዖ ዝነበረ ዓመታዊ መጠን ባጀት ብኽልተ ሚልዮን ዶላር ከምዝጎደለ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝውዕል ዝነበረ ናይዚ ዓመት ባጀት ብ34 ሚልዮን ብር ስለዝነከየ፡ ነቶም ስደተኛታት ናብተን ካልኦት መዓስከራት ምሽግሻጎም ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ እሙን ምንጪ ሰራሕተኛ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን [ኣራ]፡ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዯጵያ፡ እቲ ምግዓዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከተግብሮ ምዃኑ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተኣፍለጠ፡ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምስተረኽበ ከምዘናውሖን እቲ ምግዓዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝጅመርን ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ (ኣራ)፡ ኣቶ ኢዮብ ኣወቀ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ - ብቢቢሲ እውን ተቓሊሑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ወኪል ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣን ኤኖክተር፡ እቲ ትካል ካብዚ ዓመት ጀሚሩ እቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ብ14% እኳ እንተጉደሎ፡ እዚ ጥራሕ ግን ነቲ መዓስከር ንምዕጻው እኹል ምኽንያት ከም ዘይኮነ ንኤኤፍፒ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋን ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ መዓስከራት ምግዓዝ፡ ዝያዳ ንኮቪድ-19 ዘቃልዖም ምዃኑ ዝገለጸት ኣን ኤኖክተር እተን ካልኦት መዓስከራት ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ማይን ሕክምናን ጽሬትን ይጽገማ ከም ዘለዋ ሓቢራ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ ኣራ ግና እቶም ስደተኛታት ዝውዙዕለን ዘለው መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ብቐረብ ኤሌክትርክን ማይን ካብቲ ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝሓሻ ምዃነን ይዛረብ።

እንተኾ እቶም ነበርቲ ሕጻጽ ስደተኛታት ግን ነቲ ሰራሕተኛ ኣራ ዝበሎ ፈጺሞም ይነጽጉዎ።

እቶም ኣብዚ ቕንያት እዚ ኣብ ኩለን እተን መዓስከራት ስደተኛታት ዝበጽሑ ምንጭታትና ከኣ፡ ነበርቲ ኩለን መዓስከራት ናይ ክልተ ወርሒ መሻርፍ ክቕበሉ ከምዝረኸቡዎም ብምግላጽ፡ ካብ ኩለን እተን መዓስከራት እቲ ናይ ማይ ቀረብ ኣብ ሕጻጽ ከምዝሓይሽ ብምሕባር እቲ ናይ ነበርቲ ሕጻጽ ናይ ምግዓዝ መደብ ክሳብ ዝመጽእ ክልተ ወርሒ ክጸንሕ ከምዝኽእል ይግምቱ።

እቲ ካብኡ ንላዕሊ ዘሻቕል ዘሎ ግን ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን ከተማታትን ዶባት ዝቕበሎምን ዝምዝግብዎን ስኢኖም ተጫኒቖም ዘለው ኤርትራውያን ከምዘተሓሳስቦም ይሕብሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ሂዩማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓደሽቲ ምጻእ ስደተኛታት ኣይቕበልን ምባሉ ኢሰብኣውን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስን ብምዃኑ ቅቡል ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ምንጭትታትና ከምዝሓበሩዎ ከኣ እቶም ፍታሕ ዝጽበዩ ዘለው ስደተኛታት ብሓገዝ ቀይሕ መስቀልን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ይሕገዙ እኳ እንተለዉ፡ ኣብ ከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ከምዝርከቡ ኣገደስቲ ናይ ኮሮናቫይረስ ንዋት ሒዞሙሎም ንዝኸዱ ኣብ መቐለ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ወለንተኛታት ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር'ዩ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገበረመድህን ነዞም ዝኣትውኡ ዘለው ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ፌደራል ዘይቕበሎም እንተኾይኑ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሂቡ ኣብ ትግራይ ኣብ ድሌቶም ከይዶም ክነብሩ ከምዘፍቅድ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ጥራይ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ይሳተፉ ምህላዎም ኣቶ ተኽላይ ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ ኣብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ኣስታት 80ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ይግለጽ።

ዓለም ለኸ ሕጊ እንታይ ይብል?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዳይረክተር ስደትን ምዕባለን (Refugee Studies and Development) ሓንቲ ሃገር ዑቕባ ናይ ምሃብን ምኽላእን ልዑላዊ መሰል እኳ እንተለዋ እዚ ሕጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓደሽቲ ምጻእ ኤርትራውያን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ግን፡ ኣንጻር እቲ ኣብ 1969 ዝፈረመሉ ንመሰል ስደተኛታት ዝሕሉ ውዑል ሕብረት ኣፍሪቃ ስለዝጻረር እቲ ተግባር ፍትሓዊ ኣይኮነን ክብል ይገልጾ።

ፕሮፊሰር ጋይም ክብረኣብ ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሮፊሰር ጋይም ክብረኣብ

እቲ መብዛሕተን ሃገራት ዓለም እንኮላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረመሉ ናይ 1951 ኣህጉራዊ ውዑል ስደተኛታት፡ ሓደ ሰብ ብዓሌቱን ሃይማኖቱን ወይ ብዜግነቱን ኣባል ፍሉይ ጉጅለ ብምዃኑ፡ ወይ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ምስዝኣቱ እታ ሃገር ጉዳዩ ርእያ መሰሉ ከተኽብረሉ ከምዝግባእ ይድንግግ።

እንተኾነ እታ ተቐባሊት ሃገር ነቶም ዝመጽኡዋ ስደተኛታት ምቐባልን ምንብባርን ብፖለቲካዊ ይኹን ብቑጠባዊ ምኽንያት ጸገም ክፈጥረለይ ይኽእል እዩ እንተይላ፡ ንዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ጸገማን ምኽንያታን ነጊራ ነቶም ስደተኛታት ካልእ እተዕቁቦም ሃገር ክደልዩሎም ክትሓትት ከምእትኽእል የረድእ።

ካብኡ ተረፈ ግን ነቶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝመጽኡ ሰባት ናብቲ ስግኣት ኣሎና ዝብሉዎ ዓዲ ክትመልሶም ከምዘይትኽእል ይሕብር።

እቲ ናይ 1951 ኣድማሳዊ ውዑል ስደተኛታት ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ ጉዳይ ብውልቂ ዝርኢ ክኸውን እንከሎ እቲ ናይ 1969 ውዕል ስደተኛታት ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንዝኾነ ቅልውላው ካብ ዘለዋ ጎረቤት ሃገር ዝመጽአ ስደተኛ ብእኩብ ከም ስደተኛ ክረአን ዝግበኦ መሰላት ክኽበረሉን እዩ ዝድንግግ።

ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ውሑዳት ሃገራት ሓቢራ ብዝመስረተቶ ማሕበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኣመመን ዝፈረመትሉን ንመሰል ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝድንግግ ውዑል ከተኽብር ግዴታ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ብሓደ ናይ ኖቬል ሽልማት ብዝወሰደ ቀዳማይ ምኒስተር እትመሓደር ሃገር ፍትሒ ጎስያ ከምዚ ዓይነት ንመሰል ውጹዓት ኤርትራውያን ዝግህስ ተግባር ክትፍጽም ዘሕፍር ምዃኑ ይሕብር።

ኮሮና

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ብረታዊ ቓልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ኩሉ  ኣካል ሕብረተ-ሰብና ዝተሳተፎን መስዋእትን ምስንካልን ዝተኸፍሎ፡ ኣብ መጋቢት 24, 1991 ክድምደም ከሎ ፡ህዝቢ ኤርትራ ደቕና እዮም፡ ደሓር  ከኣ ካብ በረኻ ስለዝመጹን ( ተመክሮ ) ተመኩሮ ስለ ዝቐሰሙ፡ ክሰምዑና እዮም፡ ጽቡቅ ድማ ክገብሩ እዮም ኢሉ ክጽበ፡ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ እናረኣየ ከምዘይረኣየ፡ እናሰምዐ ከም ዘይሰምዕ ኮታ ካልኦት ክገብርሉ ዝተጸበየሉ እዋን እዩ ነይሩ።

እቲ ህዝቢ ኤርትራ   ን30 ዓመታት ዝተቓለሶ  ንባዕዲ (መግዛእቲ ኢትዮጵያ) ምስጓግ ብእኡ ድማ፡ ኣብታ ነጻ ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ እንምስርተሉን ብቕዋማዊ ሕጊ እንቕየደሉን ኩነታት ምፍጣር  እዩ እቲ ዕላማ ነይሩ። ኮይኑ ግን እይተገብረን። እቲ ኣስመራ ዝኣተወ ጉጅለ ህግድፍ ኣብቲ መጀምርያኳ   ደገፍ ናይ ህዝቢ እንተነበሮ፡  ነቲ ዕድላት ተጠቒሙ ተቐባልነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ናብ ህዝባዊ ምርጫ ኣይከደን።

ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ኢሰያስ፡ ነቲ በሓቲ ባህርያቱ ብተግባር ንሪኦ ዘለናን ኤርትራን  ህዝባን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምልካዊ ስርዓት ተሸሚሙ ምህላዉ፡  ዋላ ንጎረባብትናን ዓለምናን ዝምስክርዎ ኮይኑ ምህላዉ  ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝለዓል ኣርእስቲ ነጥቢ እንበኣር ስለምንታይ ኢዩ እዚ ህዝቢ ክንድ'ዚ ዝኣክል ሕመቕ ዘርኢ ዘሎ፡ ብዝያዳ ድማ እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ እንታይ እዩ ዘጸግሞም   ዘሎ ዝብል ክልዓል ናይ ግድን ይኸውን።

ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ'ቲ ዘርከብናሉ ክንጅምር፡  ግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ ስለ ዝዓበኹ እቲ ንጉሳዊ ስልጣን ከመይ ከም ዝመስል ርኢናዮ። ደርጊ እውን መጺኡ እቲ ወተሃደራዊ ፖለቲካዊ ስላጣንን ሳዕቤናቱን ዝተራእየ ንመንእሰይ ኤርትራ ንሜዳ ናብ  ገደሊ ንኽሳተፍ ብምውሓዙ፡ እቲ ናይ ገድሊ ወለዶ፡ ብጅግንነት እውን ነቲ ዝተበግሰሉን ዝተቐበሎምን ዝተማህሮምን ካብቶም ዘጽነሑዎን ዝጀመርዎን ጽንዓት ኣዋህሊሉ  ነቲ  ፈካራይ ስርዓት መንግስቱ ደምሲሱን  ስዒሩ ሓንቲ ልዕላዊት ዝኾነት ኤርትራ ፈጢሩ።

ሰውራ ኤርትራ ክብገስ ከሎ ንነጻነትን ሓርነትን ኢሉ ዝተቓለሶ፡  እቲ ሓደ ሸነኹ ናጽነቱ ክረክብ ከሎ፡ እቲ ካልእይ ምዕራፍ ድማ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሓርነቱ ዝኸደሉ መንገዲ ፡ ማለት ኣብታ ነጻ ዝኾነት ሃገር፡  ህዝቢ ቖጽሊ ዘውደቐሉ ብናቱ ነጻ ድሌት ናቱ ዝብሎ መንግስቲ ብናይ ህዝቢ ተሳትፎ  "ካብ ህዝቢ ፡ናብ ህዝቢ ፡ንህዝቢ" ዘገልግል መንግስቲ ክምስርት ኢሉ  ዝቃለስ ዝነበረ እምበር፡  ከም'ዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ዝተመነየ ንክህሉ ዝጸዓረ እንተሎ ብጀኻ እቶም ተረባሕቲ ካልእ ከምዘየለ  ምርዳእ ከድሊ እዩ።እቲ ኣብ መጻኢ  እንምስርቶ መንግስቲ ድማ፡ ነዚ ናይህዝቢ ዕላማ ዘንጸባርቕ ኮይኑ ብቕዋም ዝመሓደር፥ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፍነላ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ዝሰጋገረላ. ... ወዘተ ሃገር ክንምስርት ኢዩ ነይሩ እቲ ጉዕዞን። ሕጂ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እውን ንሱ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ን29 ዓመታት ዝእክል ናቱ ዝብሎ መንግስቲ ክምስርት ኣይከኣለን ዘሎ።  እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ ዝብል ኣምር ጌና ኣይጀመርናዮን። እዚ ማለት ኤርትራዊ ዜጋ ነታ መሰል ናይ ምድማጽ እትብል ኣካል ዲሞክራስያዊት መሰል ዝኾነት ተጠቒሙ ብዝመስሎ ኣብ ነጻ ድሌቱ ብምስጢር ሰጋእ ከይበለ ክመርጽ ኣይከኣለን ዘሎ።

እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ኩነታት ሃገርና፡ ህዝቢ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ተጠሊሙ ውልቀ-ሰባት ከም ድሌቶም ስልጣኖም ንምንዋሕ ብጩቕ ንዝበለ ኣብ ፍቐዶ ማእሰርቲ ቦታታት እናቖርፈድካ፡ተጋዲሎም ናጽነት ዝረኣዩ ንሶምን ደቆምን ናብ ስደት ዘምርሑሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ትምህርቱን ምስ ስድርኡን ከይዓቢ ኣብ ባርነት ሳዋ ኣእምርኡ ዝስረቐላ ኤርትራ እያ ዘላትና።

እዚ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ክንኣልዮ እንቃለስ ዘለና ደንበ ተቓውሞ፡ እቲ እንተኽሎ ስርዓት ብህዝቢ ዝተደገፈ ቕዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ፥ ብልዕልና-ሕጊ እትቕየድ፥ ነጻ ምርጫ፡ ስልጣን ብሰላማዊ መንገገዲ ዝቀባበለላ ኮታ ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝነገሳ ኤርትራ ምፍጣር ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ጸገም ዘሎ ኣብ'ቲ እተሓሳስባን ኣረዳድኣን ናይቲ ዝቛወም ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ካብ'ቲ መጀመርታ ክንረደዳኣሉ ዘለና፡ እዛ " ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሰልፍታትን ንፖለቲካዊ ስልጣንን ኢየን ዝቓለሳ" ንሕና ግን ህዝብና ከነድሕን፡ ኢና እናተባህለ፡ ነቲ ቓልሲ ዘዳኽም ምልክታት ሓንቲ ኣብነት እያ።

እወ ኣብ ንቡር ቦታኡ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንስልጣን ኢዩ ዝቓለስ እንተ ተባህለ፡ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝበሃል ኣሎ ድዩ?  ቅዋምዶ ኣለና እዩ? እንቅየድሉ ናይ ርጫ ሕግታትዶ ኣለና እዩ ? መልሱ ኣይፋሉን እዩ። እሞ እንታይ ኮይንኩም ደኣ ብተደጋጋሚ ነዛ ኣርእስቲ ተልዕልዋ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ብትምህርትን ብተመክሮን ጸብልል ዝበልኩም እቲ እትህብዎ ነጥብሲ የሕፍረካ ከተንብቦን ክትሰምዖን ከለኻ፡  እንታይ ኮን ይኸውን ናብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሓኩም ዝብል ይወስደካ።

ከም'ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝተንከፍክዎ፡ ንቡር ካብ ጠፍኤ ኣብ ኤርትራ እቲ ክውንነት እንታይ እዩ እቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ? እቲ ኢሰያስ ዝመርሖ ምልካዊ ስርዓት ካብ ኮነ ኩላትና ነዚ ንምእላይ ጥራሕ እዩ እቲ ስራሓና። ዋላ እተን ሰልፍታትን ውድባትን ትማሊ፡ ሎሚ ከምእውን ጽባሕ ቀዳማይ ስርሔን ነዚ ስርዓት ንምእላይ እየን ዝቓለሳ እንበር፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ክሕዛ ኣይኮናን ዝቓለሳ ዘለዋ ዝብል እምነት ኣለኒ።  ከም ውልቀ-ሰብን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ክድግፎ ከለኹ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ክንፈጥሮ እንደሊ፡ ሓሳብን ዕላማን ስለዝሰማማዕ ንምውዳቕ እቲ ስርዓት ጥራሕ ኢና ንቓለስ።

እቲ ብድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ብመሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፍና ዕዮና ኣጻፊፍና ቅዋም ነዲፍና፥ መንግስታዊ ሕግታት ኣዳሊና፣ ሰልፍታት ዝቕየዳሉ ናይ ምርጫ ሕግታት እነቐምጠሉ ንህዝቢ ብምውካስ  ናብ መድረኽ ምምስራት ህዝባዊ መንግስቲ ንሰጋገረሉ ክኸውን እዩ።  ኣብዚ ዝኾነ ሰልፊ ወይ ውድብ ናይ ምስታፍ መሰል ኣለዎ።  ኣብ'ቲ ዝካየድ ምርጫ በቲ ዝኽተሎን ዝኣምኖን ፖለቲካዊ ሓሳብ ኣብ ህዝቢ ቐሪቡ እሞ ኣተሓሳስባኡ ብህዝቢ እንተተገዚኡ፡ ክወዳደርን ስዒሩ ክመርሕ ይኽእል። ኣብ'ዛ መድረኽ ምስ ኣተና፡  ሰልፍታት ንፖለቲካዊ ስልጣን እየን ዝቓለሳ እንተ ተባህለ መርሓባ። ክሳብ ኣብ'ኡ ንበጽሕ ግን ኣብ ሓሳብ ንቃለስ፥ ንወደብ፥ ዓው ኢልና ንደግፍ፥ ብድፍረት ድማ ጌጋ ምስ ዝርከብ ዓገብ ንበል።

ኣብ ኤርትራ እንሃንጾ እምበር እንቕበሎ ስልጣን የለን። ብናይ ምልኪ ስልጣን ዝብገስ ቅኑዕ ነገር ስለዘየለ ኣንቱም ከይተፈለጠኩም ንምንዋሕ ዕድመ ምልኪ ህግዲፍ ተገልግሉ ዘለኹም፡ ካብ ንውድባት ምንእኣስን ምውቃስን ትውዕሉ፡ ኣየናይ ስልጣን ሃልይወን እዩ?

 አጋዳሲ መጸዋዓታ ንኹሉ ህዝባዊ፥ ማሕበርዊ፥ ሰብአውን ውዳበታት ኤርትራ ኣብ ጀርመን

ክቡራትን ኩቡራንን ኤርትራውያን ፈተውቲ ህዝብናን ነበርቲ ጀርመን፡አብዚ እዋን'ዚ ዓለምና ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ብ(COVID-19) ኮቪድ-19 ዝፍለጥ  ትሕመስን ትሕቆንን አላ። ካሮና ቫይረስ አብ ኩሉ መዓልታዊ መነባብሮ ወድሰብ መጺኡ ንጥፈታናን ምንቅስቓስናን ክድርት አብ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታትና ከቢድ ጽዕንቶ ይፈጥር ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ በቲ ቀዛፊ ባህርያቱ ንሞት ተሓጽዩና ይርከብ። ንድሕነትና እቲ ስጋብ ሕጂ ክግብር ዝካአል እንኮ መማረጺን ምክልኻል፥ ምክልኻል፥ ምክላኻልን.... ጥራሕ'ዩ። እዚ ሰላሕ እናበለ ዝቐዝፍ ሐደገኛ ለበዳ ሕማም'ዚ መድሃኒቱ ስጋብ ዝርከብ ካብ መቕዘፍቲ ክንድሕን ስለ ዘሎና ከአ ኩሉ እቲ ዝድለ ናይ ምክልኻል መሳርሒ ንድሕነትናን ከባቢናን ክንብል መታን ብግቡእ ከነተግብሮ ይህልወና።

እዚ ለበዳ ሕማም'ዚ መንነት፥ ዜጋ፥ ጾታ፥ ሃይማኖት፥ ሕብርን ዶብን...ወዘተ ዘይፈሊ በአልማማ እና ተላብዐ ዝምርሽ ምዃኑ፡ ብግብሪ ንርእይን ንዕዘበን አሎና። ዓበይቲ ርኹባት ሃገራትን መንግስታትን ክጣራዓ ገይርወን አሎ። ገና ዕድል ዘይረኸባ አብ መጀመርያ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራትን አብ ውጽዕ ህዝብታተን ከምዚ ዓይነት ናይ ለበዳ ሕማም ክመጽእ ከሎ ዝጋጠም ሓደጋን ዘምጽኦ ሳዕበንን እዚ ኢልካ ክግመት ዘሸግር'ዩ። ይኽን እምበር ምስ ወረደካ ዝግበር ነገር የለን ኢልካ፡ ኢድካን እግረኻን አጣሚርካ ምርኣይ ክልተ ሞት'ዩ ዝኸውን። አምሳያኡ ኩሉ እቲ ብዓቕሚ ሰብ ክግበር ዝከአል ምክልኻል ምድግጋፍን ክግበር ግድን ይኸውን። ብኡ መጠን ከአ እቲ ሓደጋ ይቕንስ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ዝግበር ርብርብ ዝፈጥሮ ምሃዝነትን ምብላሓትን በቲ ሓደ ወገን፡ ብቲ ካልእ ከአ አብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ዝፍጠር ምድንጋጽን ምልውዋህን ዝውልዶ ዱልዱል ዝምድና ደቂ ሰባት ከም ዘሎ ክዝንጋዕ አይግባእን። እዚ ጉዳይ'ዚ ንኹሉ ህዝብታት ዓለም ዝምልከት ኮይኑ፡ ብፍሉይ ንዓና ኤርትራውያን ብዝያዳ ከቢድ ይገብሮ። ከመይሲ ቅድሚ ካሮና ቫይረስ ብርእሰ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ጉጅሊኡን ከም ህዝቢ በሪስናን ማሲናን ከም ሃገር ከአ ለሚሳን ሰለ ዝጸናሕና እዩ።

ስለዚ ነዛ ጽንክርቲ መድርኽ ድርብ ቃልሲ አካይድና ኩሉ ዓቕምታትና አተሓባቢርናን ተዳጋጊፍናን ክንወጻ መድረኽ ማዕጽኡ ከፊቱ ይጽዋዓና አሎ። ሽግርን ወጥርን ዝመጽእ ንምጥፋእ ውይ ከአ ንምልማዕ'ዩ። አብ ክንዲ ተዳሂልና ብሽግር ንጠፍእ፡ ጥብብ ብዝመልኦ ውሕሉልን ብትብዓት ዝተሰነየ ቃልሲን አካይድና፡ ናብ ዝሓሸ ፍታሕን ራህዋን ክንሰጋገር እዩ ዘሎና። ንሽግርና ሓሪና ከም መንጠሪ ናብ ራህዋ ንጠቐመሉ።

በዚ አጋጣሚ'ዚ ንአብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ዘለው አብ ከርፋሕ ናብራ ንዝኸፍኤ ሓደጋ ተጻጢሖም ዘለው ወገናትና ሐገዛትና ከነበርክት ኩላትና አብ ጀርመን እንርከብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ማሕበራትናን ተሓባቢርና ከነትግብሮ ንጽውዕ። ብወገና ነዚ እተመዘዘት ጊዝያዊ ኮሚተ ቆይማ አላ። ምስ ኩሉ በዚ ጉዳይ'ዚ ዝግደስ ከአ ተሓባቢራ ክትሰርሕ ቅሩብነታ በዚ አጋጣሚዚ ክንሕብር ንፈቱ። ንዝያዳ ሓበረታ ኣብ ታሕቲ ዘሎ አድራሻ ተጠቀሙ። ብቀታ ሓገዝ ክገብሩ/ራ ዝደልዩ/ያ እዚ ዝስዕብ ናይ ባንክ ሕሳብ ተጠቐሙ/ማ። DE 515105001501403140313537 Verwendundgsyweck: GG/Corna Virus

ሽማገለ ምጥርናፍ ፖሎትካውዊ ውድባትን ሰልፍታትን አብ ጀርመን                                   

ተስፋማርያም ክብርአብ  tele: 017657636164 Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ክብርአብ ምስግና       tele: 01772031490     Email:  This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

   ፍራንክፈት 20.04.2020

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ወጽዓን ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓን እዩ። ህዝብና ኣብ ታሪኹ፡ ዓቕሚ፡ ውደባን ንቕሓትን እንተዘይሓጺርዎ፡ ንናይ ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቱ ወጽዓን ባርነትን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝረዓመሉ ተመኩሮ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ቃልሱ ከም ዝምስከሮ፡ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢልካ ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፣ ዋላ’ኳ ዓቕሙ ምስ ናይቶም ወጻዕቱን መሻርኽቶምን ዘይመጣጠን እንተነበረ፡ ኣንጻር ወጽዓ ተቓሊሱን ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊሉን ወጽዓን ባርነትን ዝሰዓረ ሕቡን ህዝቢ እዩ።

ሎሚ እውን “ብኣይ፡ መሰለይ ዘረጋግጸለይ ስርዓት ክሳብ ዝትከል ቃልሰይ ቀጻሊ እዩ” ብዝብል ኒሕን ሓቦን ዝቃለስ ዘሎ ምዑት ህዝቢ እምበር፡ ንወጽዓን ባርነትን “ኣሜን” ኢሉ ዝቕበል ህዝቢ ከም ዘይኮነ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ተዓዘብቲ፡ እንተላይ ጉጅለ ህግዲፍ ዝፈልጥዎ ንድሕሪት ዘይምለስ ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሰጊኡ ሰማይ ደጊፉ ዝሓድር ዘሎ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ መንጠቢኡ ጠፊእዎን ኣብቲ ንቡር ቤት-መንግስቲ ምስፋር ስኢኑን፡ ከም ሓራስ ድሙ ባጽዕ፡ ዓዲ ሃሎን ዳህላክን ሎሚ ድማ ኣብ እምባ ገደም ምስዋር ከኣ ናይ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ነቲ ኤርትራዊ ኣብ ዓድን ወጻእን ኣንጻር ወጽዓን ባርነትን ዘካይዶ ዘሎ  መሪር ቃልሲ ጓስዮም ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝረዓመ ገይሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ኣካላት ክትዕዘብ እንከለኻ ዘገርም እዩ።

ኤርትራዊ ኣቶ ረዘነ ሃብተ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ደም የተከፈለበት ባርነት/ ደም ዝተኸፍሎ ባርነት” ዘርእስታ 206 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ደሪሱ ኣሎ። ኣብታ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽስን ንኤርትራዊ ሃገርነት ዘይቅበልን ተጠዓሲ ትሕዝቶን ነታ መጽሓፍ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ምጽሓፉን፡ ነብሱ ዝኸኣለ ካብ ሓደ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮ፡ ኣገራሚ ጉዳይ እዩ።  ንህልዊ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዝምልከት ኣብዛ መጽሓፉ ዘስፈሮ ከኣ ኣዝዩ የገርም። ኣብዛ መጽሓፉ ብፍላይ ኣብ ገጻት 109ን 110ን ብዘይሕፍረት “እንደ የኤርትራ ህዝብ፡ በተለይ ትግርኛ ተናጋሪው፡ በራሱ ነጻ ፍላጎትና ምርጫ፡ በባርነት ለመኖር የወሰነ ህዝብ በሌላ ዓለም ይኖራል ብየ መገመት ኣልችልም፡……. እርስበእርሱ እየተጋጨ የሚኖርና ባርነትን በፈቃዱ የተቀበለ፡ ህዝብ መሆኑን ግን እኔም ብሆን ልደብቀው ያልቻልኩ ያፈጠጠ ሃቅ ነው/ ከም ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ እቲ ትግርኛ ዝዛረብ፡ ብናቱ ናጻ ድሌትን ምርጫን ኣብ ባርነት ክነብር ዝወሰነ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ይህሉ ኢለ ክግመት ኣይክእልን፡…… ኣብ ሕድሕዱ እንዳተጋጨወ ዝነብርን ባርነት ብፈቓዱ ዝተቐበለን ህዝቢ ምዃኑ ግና ኣነ እውን ክሓብኦ ዘይከኣልኩ ዓይኑ ዘፍጠጠ  ሓቂ እዩ”  ብዝብል መስደመም ሕጫጨ ኣስፊሩ ኣሎ።

ጨቋኒ እንተልዩ ተጨቋኒ ኣሎ። ከምቲ እቲ ጨቋኒ ዕድመ ጭቆናኡ ከናውሕ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ኣእማን ዝፍንቅል እቲ ተጨቋኒ ከኣ ኣርዑት ጭቆና ክሰብር ምቅላሱ ውሁብ እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ከኣ ጭቆና እዩ። ብፍላይ እቲ ምረት ጭቆናን ክብደት ባርነትን ዝፈልጥን ኣንጻር ጭቆና ተቓሊስካ ከም እትዕወት ብተግባር ዘርኣየን ህዝቢ ኤርትራ “ንባርነት ብፈቓዱ ዝተቐበለ” ክበሃል መስመሩ ዝሰሓተ ኣመዛዝና እዩ። ገለ ውሑዳት ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሶም እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ግዝያዊ ረብሓታት ተሳዒሮም ንህግዲፍ ዝንእዱን “ኣንታ ንበረልና” ዝብሉን፡ ቅድሚ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓ ዘቐድሙ ኤርትራውያን ይህልዉ። እዚኣቶም ግና ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክሉ “ካብ ስርናይ ክርዳድ” እዮም።  ኣብዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን፡ ብናይ ቃልሲ ቋንቋ ኣንጻር ህግዲፍ ዝተረዳድኣሉ ሃለዋት፡ ህግዲፍ ባዕሉ እውን “ህዝቢ ኤርትራ ሕንጐፋይ ኢሉ እዩ ዝግዘኣለይ ዘሎ” ዝብል፡ ካብ ኣፉ ከወጽእ ኣይክእልን እዩ። ናይቶም ኣሸሓት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውን መንእሰያት ውሳነ እውን ህዝቢ ኤርትራ “ሕራይ ንወጽዓን ባርነትን” ከም ዘይበለ ካብ ዘመላኽቱ ተረኽቦታት ሓደ እዩ።

“ህዝቢ ኤርትራሲ ስለምንታይ እዩ እዚ ኩሉ እንዳበደሎ ንህግዲፍ ተዓጊስዎ?” ዝብል ሕቶ ዝኾነ ሓላፍ መንገዲ ዘልዕሎ ዘሎ እዩ። ከም ናይዚ ሕቶዚ  መልሲ “ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ናጻ ድሌትን ምርጫን ኣብ ባርነት ክነብር ዝወሰነ ስለ ዝኾነ እዩ” ኢሉ ዝቐበል ኣካል፡ ኣይኮነንዶ ካብ ኤርትራዊ ካብ ዘይኤርትራዊ እውን ክርከብ ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምናልባት ንናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ቀልጢፍካ ዘይምዕዋት፡ ካልእ ምኽንያታት ይቐርብ ይኸውን። እምበርከ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓን ባርነትን ህግዲፍዶ ይቃለስ የለን እዩ። እቲ ናይ ቃልስን ዓወትን ድምጺ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ምናልባት  ምስቲ  ኣብ ወጻኢ ዘሎ በሪኽ ድምጺ ቃልሲ ኣወዳዲርካ፡ ክንድቲ ዝድለ ኣይስማዕን ይኸውን። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብኹሉ ኩርነዓት ዝቃላሕ ዘሎን ንህግዲፍ ፈጥፈጥ ዘብሎ ዘሎን ድምጺ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ድምጺ ኣይኮነን ማለት ድዩ።

ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዋ፡ ብቀይሕ ባሕሪ፡ ብኢትዮጵያ፡ ብሱዳንን ብጅቡትን እትዳወብ ኣስታት 125 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓታ ዝተፈላለዩ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ፡ ርቡሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ህርኩት ህዝብን እትውንን ልኡላዊ ሃገር እያ። እዚ ተበሃጊ ኣቀማምጠኣን ስፍሓታን ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ መወዳእታ ካለኣይ ውግእ ዓለም፡ ነቲ ኤውሮጳዊ ሓይልታት ንኣገዛዝኦም ክጥዕሞም ዝተኸተልዎ ኣካልላ ኣድሚቓ ዝወነነቶ እዩ። ከከም ቀዳምነት ብኤውሮጳዊ ሓይልታት  ተወሪረን ዝተታሕዘኦ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እዚ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጺ ሒዘን፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ኤርትራ ኣስታት 50 ዓመታት ነዚ ክሳብ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጻ ሒዛ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሓ።  ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ 45 ዓመታት ድሒራ እያ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ሒዛ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ን5 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ዝተመሓደረት። ብመዕቀኒ፡ ናይ “መን ኣቐዲማ ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ሃገርነት ሒዛ”፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ብ45 ዓመታት ከም እትዓብያ፡ ዘመናዊ ታሪኽ የረደኣና።

ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ ብርዱእ ምኽንያት ድሕሪ ስዕረት ኤውሮጳዊ ወራር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኡንብኡ ክረጋገጽ ዝግበኦኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ሸፈጥን ውዲትን ምኽንያታት ኣይተተግበረን። ካብቶም ነቲ መስርሕ ዝሓላለኽዎ ምኽንያታት፡ ናይ ሽዑ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ናይ ረብሓኻ መሻርኽቶምን፡ ታሪኽዊ ተቐባልነቱ ዝሓለፈ ኣረጊት ተረኽቦታት መዝሚዞም፡  ነቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጽደቐኦን ክሳብ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋን ልኡላዊ ዶባት ክቕበልዎ ቅሩባት ኣይነበሩን። ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ጆን ኤፍ ዱለስ “እስትራተጅያዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ዓለም ሰላምን ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ምስታ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ኣድላይ እዩ” ዝበሎ  ምዝካሩ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ቅደመ-ምምጻእ ኤውሮጳውያውን ወረርቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ደሓር ብኻልእ ውሳነ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተተከአን ዶባዊ ስምምዕ ንቕድሚት ኣምጺኦም ምክርኻሮም ከም ናይ እምቢታኦም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ነዚ ርትዓዊ ዘይኮነ ውዲት ብምእላም፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ንዘይምቕባል ብዙሕ ብናይ ግዳም እስትራተጅያዊ ተረባሕቲ ዝተመረዘ ውዲታት ተማሂዙ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ምክፍፋሉን ሕድሕድ ምትፍናኑን ዝዓለመ ናይ ሽዑ ውዲት ንምብዳህ፡ ቅድም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ሓያል ቃልሲ ኣካይዱ። በዚ ኣገባብ ኤርትራዊ ሃገርነት ምድሓን ከምዘይተኽእለ ምስ ተረደአ ከኣ፡ መሪጽዎ ዘይኮነስ ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣነ ተገዲዱ መሪር ጐነጻዊ ቃልሲ ኣካይዱን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሉን ዋና ልኡላዊት ሃገሩ ክኸውን በቒዑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ኣብ ኤርትራና፡  ብሰንኪ ህዝቢ ዘየማእክልን ዘየሳተፍን ገስረጥ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ  ግዝያዊ ድኽነትን ምንቁልቋልን ብምምዝማዝ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዝደናደን ረቂቕ ወስታታት ንዕዘብ ኣለና። እዚ ውሰታታት፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ካብ ምንእኣስን ምክፋእን ሓሊፉ፡ ካብቲ ሓድነት ዝመለለይኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ዝነብሩ ቆንጢርካ ናብ ጐረቤት ሃገራት ወሲድካ ብጸቢብ ረብሓታት ናይ ምውጋይ ትንዕምንዕ ንዕዘብ  ኣለና። ነዚ ንምትግባር ከኣ ዝተፈላለዩ ክትሰምዖም መዓር ዝጥዕሙ፡ ግና ሓድነት ህዝቢ ብምፍራስ ዝተቓመሙ ስብከታት ንሰምዕ ኣለና። እዞም ሰበኽቲ ብመልክዕ ብዙሓት ኮይኖም፡  ስብከታቶም ግና ኣብ መወዳእታ  ንሃገራውነት ኤርትራ ኣህሲሱ ንህዝባ ከም ስጋ ጉዚ ናብ ዝበታትን መርዛም ፈለግ ዝፈስስ እዩ። ከምቲ “ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ይደገም” ዝበሃል፡ እዚ ወስታዚ ነዊሕ ናብ  ግዳም ገጹ ዘስፋሕፍሕ ሱር ሰዲዱ ከም ዝኸውን ምጥርጣርን ተቓሊስካ ንምዕጻፉን ድልዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ።

እዞም በቲ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑስ ዝተሳዕረ፡ ተመኩሮ ኣብ ክንዲ ዝመሃሩ፡ ሎሚ እውን ኣንጻር ኤርትራዊ  ሃገርነትን ሓድነት ህዝባን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉን ንዝተወሰነ ከፋል ኤርትራ ቆሪስና እንተዘይወሰድና ኢሎም ዝደናደኑ ዘለዉን ኣካላት “መርተዖና” ኢሎም ዘቕርብዎም ስንኩፋት ምኽንያታት ኣለዉዎም። ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ተመሳሳሊ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ቅድመ ታሪኽን ዘለዎም  ወገናት ስለ ዘለዉ ይብሉ። ካብዚ ሓሊፎም ነቲ ቅድሚ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡን  ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጽታት ምሓዘንን ዝነበረ ቅድመ-ታሪኽ ንቕድሚት ምምጻእ እውን “መርተዖና” ካብ ዝብልዎ እዩ። ኮታ ተመሳሳሊ ቋንቋ እንዳሃለወካ ኣብ ዝተፈላለያ ልኡላዊ ሃገራት ምስፋር ኣባና ከም ዝተጀመረ ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ።

እዞም ኣግኣዝያንዶ እንታይዶ ዝብሉ ኣካላት፡ ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዘርባዕባዕ ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ዝዛረቡን ተመሳሳሊ ባህሊ ዘዘውትሩን ህዝብታት ከም ዘለዉኸ ይፈልጡ ድዮም? ቋንቋታት ኦሮሞኛ፡ ዓፋር፡ ንዉየርን ካለኦትን ናይዚ ኣብነት እዮም። ካብዚ ብዘይተፍለየ እቲ መምዘኒኦም፡ ኤርትራ ብዘበን እኒእኒ ኣካል ኢትዮጵያ ነይራ ዝብሉን ወለዶታት ዝጽብጽቡን ካብ ኮኑ፡ ናይ ቀደም ግዝኣት ኢትዮጵያ ደኣ ክሳብ የመንን ካለኦት ሃገራት ኣዕራብን ዝዝርጋሕ ነይሩ እንድዩ ዝበሃል። ዶስ ከምቲ “በትሪ ሃበኒ’ሞ ዘሕምቖ ኣለኒ” ዝበሃል፡ ንኤርትራ ብቲ ግዚያዊ ጸገማ ደንዲነሙዋ እዮም ምዩቕዩቕ ዝብሉ ዘለዉ። እቲ “ንኤርትራ ዝተንከፈ ወይልኡ” ዝብል ኒሕ  ቦታኡ ከምዘይለቐቐኸ ዘንጊዐሞ ኣለዉ ማለት ድዩ?

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ድሕሪ ኤርትራ ብቃልሲ ህዝባ ናጻ ምስ ወጸት፡ ብድምጺ ህዝባ ልኡላዊ ግርማ ምስ ለበሰት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኽካ ኩለን ሃገራት ዓለምና፡ ሉኣላዊ ሃገርነታ ምቕባለንን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኮይና ምስተመዝግበት፡ ከምዚ ዓይነት ጠላም  ኣተሓሳስባ እሞ ድማ ብኤርትራውያን ምንቃሉ፡ ክንደናይኳ ከይዕወት ግና ኣዝዩ ዘተዓዛዝብን ጽባሕ ዘጸባጽብን ሃቐነ እዩ። ተፈትወ ተጸልአ ሎሚ ኤርትራ፡ ብቋንቋዊ፡ ባህላውን፡ ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዝወቀበ ሓደ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብዚ ውሁድ ህዝቢ ቆንጢርካ ንሓንሳብ ናብ ደቡብ ንሓንሳብ ድማ ናብ ምዕራብ ክትምጡ ምሽራኽ ከኣ፡ ካብ ምስ እምኒ ዓረ ምርጻም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እዞም ኣብ ዘይሰልጦም ግና ዘተዓዛዝብ ዕዳጋ ወሪዶም ዘለዉ ኣካላት “ንህግዲፍ ንቃወሞ ኢና“ ክብሉ ይስምዑ እዮም። ማእከል ናይቲ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን በደል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈቐዶን ዘይፈልጦን መንገዲ ምጉዓዙ እዩ። እዚ ካብ ኮነ፡ እዞም ንዛረበሎም ዘለና፡ ህዝብና ሓድነቱ ኣጽኒዑ ብቕምጡ  ካብኡ ቆንጢሮም ክወስዱ ዝፍትኑ ወገናት ካብ ህግድፍ ዝኸፍኡ ካብ ምዃን ሓሊፎም ናበይ ክሃድሙ ይኽእሉ። ኤርትራዊ ልኡላውነት ግና ብዘይ ፈቓድ ህዝባ፡  ግዝያዊ ጸገማታ መዝሚዝካ ዝሃስስ ዘይኮነ፡ ንዘልኣለም ነባሪ’ዩ።