ኤርትራውያን፡ ናብ መበል 44 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ ስምዕታ ኣቕሪቦም
Tuesday, 19 May 2020 09:33 Written by ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታትናብ ፡ ክቡራት ልኡኻት 47 ኣባል ሃገራት
መበል 44 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዝሳተፋ 47 ኣባል ሃገራት፣
ፓላይስ ጀነቫ
ናብ ክብርቲ ወ/ሮ ሚቸላ ባቸለት፤
ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕሃ፣
ፓላይስ ጀነቫ
ርእሰ ጉዳይ፡ ምንዋሕ ግዜ ሓላፍነት ፍልይቲ ተኻታትሊት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፤
15 ጉንበት 2020
ክቡራት ተሳተፍቲ መበል 44 ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ሕ.ሃ.
ክብርቲ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት
እዞም ኣብ ታሕቲ ከቲምና ዘለና፡ ተገዲድና ኣብ ወጻኢ እንዋሳእ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ብሓባር ከነቕርበልኩም እንከለና ሕጉሳት ኢና። ዕላማ መዘክርና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉን ዘይቅየርን ሰብኣውን ፖለቲካውን ኩነታት ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ህልዊ መንግስቲ፡ ናይዚ ባይቶ ኣባል ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ፡ ግቡእ ስጉምቲ ንኽትወስዱ ንምዝኽኻርኩም እዩ።
መጀመርያ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2012 ንመጀመርያ ግዜ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከተተላ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ምምዛዙ፡ ዕቱብ መግለጺ ተገዳስነቱ ንጉዳይ ኤርትራ ብምዃኑ፡ ልዑል ኣኽብሮትና ንገልጽ። እዚ በብዓመቱ ክሕደስ ዝጸንሐ ምምዛዝ ተኻታታሊ ኣካል፡ ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ንምቁጽጻርን ግህሰት ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰል ንምክትታልን ዘኽእል ብምዃኑ፡ ባይቶ ሕ.ሃ. ንኤርትራውያን ግዳያት ዓመጽ ዘበርከቶ ኣገልግሎትን፡ ዝሃቦ ዕቱብ ቆላሕታን ዘመልክት እዩ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዘሕለፎም ውሳነታትን መተሓሳሰብታትን ንከይትግበሩ፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ክጻረሩ፣ ነተን ሰብኣዊ መሰል ክከታተላ ዝተመዘዛ ኮሚሽነር ድማ መእተዊ ክኸልእወን ከም ዝጸንሑ ርዱእ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ክሳብ ሕጂ ንኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ በተን ባዕሉ ዝመዘዘን ላዕለወይቲ ኮሚሽነር፡ ቅድም ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ብወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ ቀጺሉ ከኣ ንክልተ ዓመታት ብወ/ሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ዝቐርበሉ ናይ ቃል መግለጽን ጸብጻባትን እዩ ሓበሬታ ክረክብ ጸኒሑ።
ክቡራትን ክቡራንን
ኤርትራ ህዝባ ብኣዝዩ ዝኸፈአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝሳቐየላ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰልን ከኣ ኣዝዮም ዝሸቐሉላ ሃገር ኮይና እያ ጸኒሓ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሻቕልን፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት ካብቲ ዓሚ ዝነብሮ፡ ኮታ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ብዉሑዱ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ከይተቐየረ እዩ ቀጺሉ። ኩነታት ከምዚ እንከሎ ደኣ፡ ስለምንታይ እዮም ካብተን 47 ኣባል ሃገራት፡ ናይ ገለ ሃገራት ልኡኻት ኣብ ምንዋሕ መዝነት ናይተን ኩነታት ኤርትራ ዝከታተላ ኮሚሽነር ዘይግደሱ? ወይ ይናዋሕዶ ኣይናዋሕ ኣብ ዝብል ምውልዋል ዝኣትዉ? ዘገርም እዩ።
ንሕና እዞም ብሓባር ነዚ መዘክር’ዚ ነቕርብ ዘለና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኰይንና ከይንዋሳእ ዝተሓረመና ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ናብ ኩሎም ተሳተፍቲ ልኡኻት መበል 44 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ መዘክር ነቕርብ ኣለና። በዚ መዘክርና ከኣ እዚ ባይቶ ንመዝነት ወ/ሮ ዳኔላ ክራቨትዝ ብምንዋሕ ኣቢሎም፡ ንሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተሓተ ደገፍን ሞራላዊ ምትብባዕን ክገብረሉ ንጽውዕ።
ክቡራት ተሳተፍቲ መበል 44 ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ሕሃ
ክብርቲ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ባቸለት
ብዛዕባ ኤርትራ ግቡእ ኣፍልጦ ከም ዘለኩም ርግጸኛታት ኢና። ደጊምካ ንምዝኽኻርኩም ዝኣክል ግና፡ ወያ ንዝሓለፈ 29 ዓመታት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺባ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ናይዚ ባይቶኹምን ኣባል ዝኾነት ኤርትራ፥
- ሕገ-መንግስትን ግዝኣተ ሕግን የብላን፤
- መንግስታዊ ትካላትን መንግስታዊ ኣካላትን የብላን፤
- ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ምርጫ ኣየካየደትን፤
- ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ሃይማኖታዊ እምነትን ምንቅስቓስን የብላን፤
- ምብጻሕ እሱራት፡ ዋላ ብቀይሕ መስቀል ዘይፍቀደላ ሃገር እያ፤
- መሰል ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ምቕራብ የብላን፤
- ከምቲ ንስኻትኩም እውን እተፈልጥዎ እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ፤
ከምቲ ንስኻትኩም እተፈልጥዎ ናይ ኤርትራውያን እሱራት ዕድል “ማእሰርቲ ክሳብ ሞት” እዩ። ከምቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ወ/ሮ ኪታሩዝ ነዚ ባይቶኹም ዝሓበረኦ፡ እቲ መወዳእታ ዘየብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። በዚ መሰረት ሓደ ሲሶ ዝኸውን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ባርነት ተቓዊሙ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ብደረጃ ስደተኛ ክብሪ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ይነብር ኣሎ።
መልእኽትና ንምድምዳም፡ እዞም ኤርትራውያን ውድባት ጽቡቕ ፈቓድኩም ኮይኑ፡ ገለ ውሱን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ይሕግዝዩ ኢልና ስለ እንኣምን፡ ናይተን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ዝተመዘዛ ልእኽቲ ኣብቲ መዝነት ዝጸንሓሉ ግዜ ከተናውሑለን ብትሕትና ንሓትት።
ኣኽበርትኹም
ኣቦመንበራት
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)
- ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ኤሃግ)
- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
- ውድብ ዲሞክራስያዊ ሓድነት (ውዲሓ)
- ሕብረት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሕፍ)
- ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀ)
እቲ ጭቆናን ግፍዕን ዝወለደ ምልኪ ክሳብ ዘይተወገደ፥ ነቲ ዝሓሸ ክንጥምትን ብቕኑዕ መገዲ ንምኻድ ክንሓሳብን፡ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ጥሙር ሃገራዊ ሓሳብ እንርዕም፡ ቃልስና ቀጻሊ እዩ ክኸውን። ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዘይተጸበናዮ እዚ ዘይበሃሉ ኲርኳሓት ከጋጥሙና ይኽእሉ እዮም። እዞም ኩርኳሓት እዚኦም እንተስ ብወዝቢ እንተስ ብዝተጸንዐ መንገዲ ክምርሹ ከለዉ፥ ገለ ንረብሓና ገለና ከኣ ንጉድኣትና ዘስዕቡ እዮም። እቶም ንረብሓና ዝውዕሉ ከይተጠቐምናሎም እንተሓሊፎም ደጊሞም ኣይምለሱን እዮም። እቶም ንጉድኣትና ዝኾኑ ግን ዘስዕብዎ ኣሉታት ኣብ ክንወጸሉ ዘይንኽእል ዓዘቕቲ ኢዮም ዝሸሙና።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልኪ፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝማዕበለ ዘይኮነስ፡ ንዓመታት ክስረሓሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ጠንቂ ናይ ምልኪ ድማ፥ ነቲ ህዝቢ ከሎ ገና ንናጽነቱ፡ መሰሉን ስልጣኑን ፈሊጡ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ብራዕድን ዓፈናን ዓጊቱ ስለዝሓዞም እዩ። እነሆ ድማ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ሽግር ወዲቑ ከምዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። ይኹን እምበር ሽግሩ ብምዝርዛር ጥራይ ራህዋን ቅሳነትን ክነምጸኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ሽግርን መከራን ፈሊጥና ክንውግድ ነቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ዲግድጊት ተዓጢቖም ዝቃለሱ ዘለዉ ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ምሕብሓብን ምሕጋዝን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ፍታሕ እዩ።
እዞም ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ውልቀሰባትን እምበኣር፥ ነዚ ምልኪ ኣልጊስና ህዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ኢልና እንቃለስ ስለ ዘለና፡ ክነተግብሮ ዝግበኣና ምትግባር እዩ፡፡ መጀመርያ ንገዛእ ርእስና ካብዚ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይናይ ናጻ ኢና ንነፍስና ምምርማር የድልየና። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ስርዓት እንቃወም፡ እቲ እንኸዶ ጎደና ምፍላጥን፥ ነቲ ሃገራዊ ዕላማና በቲ ቅኑዕ ኣገባቡ ክንሕዞን ይግበኣና። ሳልሳይ ነጥቢ ፥ እቲ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ሓሳብ ብጉርሒ ወይ ብምጥርጣራት ዘይኮነ፡ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ምቅላስ። እቲ ራብዓይ ድማ፥ "ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ" ንዝብል ኣምር ተኸቲልና ነቲ ናብ ረብሓና ዝውዕል ዕድላት ብኣግኡ ክንጥቀመሉ ምስ እንኽእል እዩ።
ሎሚ፥ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ቀዛፊ ሕማም ለበዳ ከሮና ቫይረስ (ኮቪድ-19) ንምምካት መላእ ዓለም ሓድነቶምን ምትሕግጋዛቶምን ኣሕይሎም ይሰርሕሉ ኣለዉ። እዚ ንዓና ነዞም ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ; ህዝብና ክነድሕን ኩልና ደገፍትን ተቓወምትን ብሓባር ክንሓስበሉ ዘኽእል ተረኽቦ እዩ። ነዚ እውን እተን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ማሕበራትን ብዘይወዓል ሕደር፥ “ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ” ከይበላ ብሓባር ዝሰርሓሉ ፍኖተ ካርታ ቀሪጸን ንቕድሚት ክስጉማ እዩ ዝግበአን። ሎሚ፡ መን ይመርሕ ወይ ናይ ስልጣን ሕቶ ዝለዓለሉ ግዜ ኣይኮነን።
ስለዚ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍልልያት ናይ ዓሌት፥ ሃይማኖትን ብሄርን ተንከፍ ክሳብ ዘይኮነ፥ ብዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክንፈትሖ ናይ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ብካብዚ ሓሊፉ ኣኼባታት፡ ውዑላትን፥ መግለጺታትን፥ ወግሐ ጸብሐ “እዚ እባ እቲ” እናተበሃሃልና ህዝብናን ሃገርናን ካብ መመሊሱ ንሓደጋ ምቅላዕ ክነድሕኖ ኣይኮናን። እዚ ካብ ኮነ ሓቢርናን ተወሃሂድናን ክንሰርሓሉ ዘይንኽእል እንታይ እዩ እቲ ሽግርና፡ ንክንመሚ ብቕዓትን ድፍረትን ክህልወና ኣለዎ። እንተዘየለ እዚ ህልዊ ኩነት እዚ ምስቲ ግዜ እንተዘይተቐዳዲምናን እንተዘይሰሪሕናሉን፥ እቲ ግዜ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ሳዕቤን ከምጸኣልና ምዃኑ ክንርደኦን ክንበጽሖን ኣብ ዘይንኽእለሉ ሃዋህው እዩ ከእትወና።
እዋኑ ነቲ ንኸይንሰማማዕ ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ስውር ፍልልያት ብህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኩነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። ነዚ ክንፈትሕ እንተዘይክኢልናን ናይ ሓድሕድ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ምትሕልላይን ተኣማንነትን እንተዘይኣጥሪና፥ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ክህልወና ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ብተወሳኺ ንኩነታት ናይ ምንባብ ሓባራዊ ግንዛቤ ክህልወና ስለዘይክእል፥ ንዝኾነ ይኹን ኣብ ምግጣም ግብረ-ኣልቦ ኢና ክንክወን። እዚ ከኣ ብወገኑ ነቲ ናይ ጽባሕ ተስፋና ከማህምኖን፥ ነቲ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ገቲሩ ዝጋርደና እዩ ክኸውን። እቲ ጽባሕ ኣብ ሃገርና እንምነዮ ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ እንተኾይኑ፡ ሎሚ እቲ ጽምዶና ናይ ስልጣን ምቁርቛስ ዘይኮነስ ኣብ ናይ መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ምትካል እዩ ክኸውን ዝግባእ።
ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ተኸታታልን ደቛስን ስርዓታት፡ እንተስ ብሃይማኖት እንተስ ሃብቲ ንምጉሕጓሕ ይቀላቐሉ ንዝነበሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ እምብለይ ኣይግዛእን ብምባል ኢዱ ሂቡ ኣይፈልጥን። ኩሉ ኣተሓሳስብኡ እውን ከመይ ኢሉ ካብዚ ግፍዕን ስቓይን ይላቐቕ እምበር፡ ንመግዛእቲ ኣሜን ኢሉ ዘይቀበል ከምዘይነበረ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ዕድመኡ ንግፍዕን ጭቆናን ክቕበል ወይ ተጸቒጡ ክነብር ስለዘይክእል።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣዝዩ ዝኾርዓሉ ኣገባብ ምሕደራ ማለት፥ ባይቶ ዝበሃል ካብ ጥንቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ባይቶ እዚ ኣብ ኩለን ዓሌታት ኤርትራ ተመሳሳሊ እዩ። ዋላ እቲ ሕግታቱ’ውን ብዙሕ ዝፈላለ ኣይኮነን። እዚ ዘብርሆ እንተሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደየናይ ኣብ ብሕጊ ዝኣምንን ብሕጊ ዝቐየድን ምዃኑ እዩ። ይኹን እምበር በዝን በትን ክጎብጥዎን ኣገዲዶም ግብሪ ከኽፍልዎን፡ በብቑሩብ ከኣ ነታ መሬቱ እናቖራርምዋን እዛ ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ዘላ ተፈጢራ።
ኩሎም እቶም ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ኤርትራ ገዛእቲ፡ ሕብሪ ቆርበቶምን መልክዖምን ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ፍልልያት ንኽፍጠር ጥራይ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም። ሓደ ካብኦም መግዛእቲ እንግሊዝ እዩ። እንግሊዝ ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን ግርጭት ክፈጥር ከንደይ ዘይጸዓረ። ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ንውዲታቱ ነቒሑሉ እምበር ኣይተሃመለሉን። ኣብ ክንድኡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር መስሪቱ ኣስላሙን ክርስትያኑን ብሓባር ምእንቲ ህላዌ ኤርትራ ተጠርኒፉ ተቓሊስዎም። እንተኾነ ግን፡ ንግስነት ሃይለስላሴ ወይጦታቱ ናብዚ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣስሊኹ፥ ከምዚ ሎሚ ፎግፊጎም ክኣትውና ዝደልዩ ዘለዉ፡ ፎግፊጎም ብምእታው ነቲ ማሕበር ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ገይሮሞ። ብሰንኪ እዚ ከኣ "ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን" ተባሂሎም ኣብ ክልተ ተመቒሎም። ወያ ዝነበረት ንእሽቶ ቁልዒ ናብ ጓህሪ ገጻ ስለዝተቐየረት ከኣ እቲ ናይ ምፍልላይ ኣንፈት እናገፍሐ ከደ። በዚ ዝኣክል እቶም ኣሕዋት ዝነበሩ ኣብ ምጥርጣራትን፥ ምስኣን ምትእምማን ገጾም ከዱ። እዚ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ድማ ምልኪ ወለደ።
ሰውራ ኤርትራ ክብገስ ከሎ፡ ብፍላይ "ማሕበር ሸውዓተ" ንኹሉ ኤርትራዊ ጠርኒፉ ከተብቅዕ፥ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ነቲ በዓልቤታዊ ዓቕሚ ኣብ ግምት ከየእተወ ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ኣብ ንምምላስ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ፥ ብግስ ከይበለ ኣብ ብረታዊ ረጽሚ ኣተወ። እዚ ተረኽቦ ክሳብ ናይ ውድባት ምብዛሕ ብምብጽሑ ነቲ ፈኽም እናበለ ዝጎሃሃር ዝነበረ ፍልልያት መሊሱ ኣጋደዶ። ገለ ወገናት በዚ ኣቢሎም ህዝቢ ንምኽሳብ፥ ነቲ ቃልሲ ከም ናይ እስላምን ክርስትያንን መልክዕ ገይሮም ከትሕሓዝዎ ፈተኑ። ብኡ መሰረት ከኣ ኢሰያስ ንደቂ ከበሳ ክሕዝ “ንሕናን ዕላማናን" ዝብል ማኒፈስቶ ዘርገሐ። ድሕሪኡ እቲ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ዝያዳ እናተጋፈሐን እናማዕበለን ካብ ናይ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኣተሓሳስባ ወጺኡ ዳርጋ ናብ ናይ ጓኖት ዝመስል ርክብ ገጹ ከደ።
እተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ድማ ነቲ ግርጭት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ንምእላዩ ኣብ ክንዲ ዝፍትና ናይ ጎነጽ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢለን ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ሱር ዝሰደደ ፍልልያት ፈጠራ። እዚ ፍልልያት እዚ ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊን ስነሓሳባውን ዝኸውን፡ ብቐጥታ ጀብሃ ናይ እስላም፥ ሻዕብያ ናይ ክርስትያን መሲሉ ስለዝተራእየ፥ ንኢሰያስ ከምድላዩ ከዳህልል ዕድል ሃቦ። እነሆ ድማ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ኢሰያስ፥ ብምቕንጻል፥ ምሕያርን ሽርሕታትን ነቲ መድረኽ ንበይኑ ስልጣን ንምብሓት ንክቆጻጸሮ ሓጊዝዎ።
እቶም ካብ ፈለማ ቃልሲ ዝጀመሩ ምእንቲ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዝሓሸ ምሕደራን፥ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ መንግስትን ንምፍጣር እምበር፡ ምልኪ ንምንጋስ ኣይነበረን። ኮይኑ ግን እቲ ፈኸም እናበለ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሐ ዘይምትእምማንን፥ ምጥርጣራትን ነቲ ሰናይ ድሌት፡ ዕላማን ተልእኾን ስለ ዝዓብለሎ፥ ኣብ ዘየድሊ ውድድራት ተበጽሐ። እዚ ምጥርጣራትን ሓድሕድ ዘይምትእምማንን ክሳብ ሎሚ ኣንጸላልዩናን ንቕድሚት ከይንስጉም ሓሊኹ ሒዙናን ዘሎ እዩ። እዚ ንሃገራዊ ኣተሓሳስባናን ሃገራውነትናን ዘዳኽም ንሃገርናን ህዝብናን ድማ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ተረዲእና ፈውሲ ክንረኽበሉ ይግበኣና። እዚ ፈውሲ እዚ ግና ነቲ ናብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማን ዘእትወና ዘሎ ጉዳይ ንምውጋድ፥ ብኣውራጃ፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖት፥ ብቋንቋ …ወዘተ ኣቢልና ክንከዶ እንተኮይና፥ መሊስና ነቲ ጓህሪ ነዳዲ ኢና ንንስንሰሉ ዘሎና። ከመይሲ ነቲ ዘይምትእምማን ዘምጽኦ ወይ ዘብቁሎ ንሱ ስለዝኾነ።
ስለዚ፡ ኤርትራዊ ሓዲሽ ወለዶ፡ ነቲ ዕላማን ባህግን ናይቶም ዓበይቲ ኣቦታትናን ኣደታትናን፡ እቶም ናብቲ ናይ ቃልሲ ዕድመ ዝበጻሕናን ዝተሳተፍናን፥ ምልኪ ንምምጻእ ዘይኮነስ፡ ኤርትራና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣላቒቕካ፥ ልኡላውነታ ዘውሓሰት፡ ዲሞክራሲያዊት፥ ብልጽግትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምፍጣር ከምዝነበረ ክርዳእ ይግበኦ። ትዕድልትና ሕማቕ ኮይኑ ግና እነሆ ኣብ ሃገርና ኮሪዕና ኣብ ክንዲ ንነብር ዘይሓሰብናዮ ኣብ ሃገርና ንኹልና ዝለኻኽም ስርዓት ተተኺሉ። እምበኣር “ ሕጂ እንታይ ይገበር?” እዩ እቲ ቀንዲ ሕቶ። ምኽንያቱ እቶም ተቓሊሶም ደሞም ዘፍሰሱን፥ ዓጽሞም ከስኪሶም ዝሰንከሉን፡ ከምኡ እውን እቶም ብህይወት ዘለዉ ነባራት ተቓለስቲ ንገዛእ ርእሶም ዝጭኩን ሓይሊ ክፈጥሩ ኢሎም ከምዘይቃለሱ ርዱእ እዩ። ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ፡ ነዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ፥ ብኣውራጃ ዲዩ ብብሄር ወይ ሃይማኖት፥ ወይ ቋንቋ እንተ ተፈላልዩ፡ እታ ንዓና ዝረኸበትና ኢያ ክትረኽቦ’ሞ ካብዚ ወጺኡ ፖለቲካዊ ብስለቱ ክብ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ይግበኦ።
እዚ ሕጂ እውን ቅርቡነቱን ናህሩን ከይቀየረ፡ ንኹሉ ውዲታትን ማሕለኻታትን እንዳጠሓሰ ዝቕጽል ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ዝበለሐ ኣንፈቱ ኣብ 60ታት እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ በሊሕ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ናይቶም ጀመርቲ ቁጽሪ ውሑድ፡ ነቲ ቃልሲ ኣበይ ከም ዘብጽሕዎ ተረድእኦም ድሩት፡ ዕጥቆም ውሑድን ድሑርን፡ ብኣንጻሩ ጸላኢኦም፡ ብዙሕ፡ ክሳብ ኣፍንጫኡ ዝተዓጥቀን ብዙሓት ናይ ግዳም “ኣጆኻ ኣለናልካብ” በሃልቲ ዝነበርዎን ምንባሩ ፍሉጥን ብዙሓት ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ዝቐመርዎን ሓቂ እዩ።
ምስዚ ኩሉ ሕጽረትን ዘይምምጥጣንን ግና ፡ እቶም ነዚ ኣብ መስርሕ ኣዝዩ ቃልቃል ዝበለ ቃልሲ ዝጀመርዎ፡ ንሳቶም ጀሚሮም ንሳቶም ዝውድእዎ ዘይኮነስ፡ ናብ ወለዶታት ዝሰጋገር፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዕዳ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም። ተረድእኦም ከምኡ ስለ ዝነብረ ከኣ፡ ነቲ ሽግ ቃልሲ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ናይ ምርካብ ድሉዉነት ዝውንኑ ምንባሮም ቀንዲ ናይ ብቕዓቶም መለክዒ ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ሳላ ከምኡ ዓይነት ተረድኦ ዝነብሮም ከኣ እቲ ንሳቶም ዝወልዕዎ ሽግ ቃልሲ ኣይቀሃመን። ብዙሓት እንዳተቐባበሉ ሳላ ዝቐጸልዎ ከኣ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣውሒሱ። እቲ ናይ ሽግ ቃልሲ ምቅብባልን ናይ ተመኩሮ ምርኽኻብን መስርሕ ግና፡ ሰጥ ዝበለ ጐልጐል ኣይነበረን። ብሰንኪ ኮርኳሕ ምንባሩ ከኣ ክቡር ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ። ናይቲ ዘይተዳላይ ዋጋ ዘኽፈለን ናህሪ ቃልሲ ዘደነጐየን ተመኩሮ፡ ናይ ግድን ተሓተቲ ኣለዉዎ። እንተኾነ ናይዚ ተሓታትነት ምጽራይ ሎሚ ቅድሚት ዝመጽእ ዕማም ዘይኮነ፡ ንናይ ታሪኽ ተመራመርትን ክኢላታትን ተገዲፉ፡ ብምሉእ ቀልብና ንቕድሚት ኣብ እነማዕድወሉ ግዜ ኢና ንርከብ ዘለና። ናይ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕ ሕሳባት ምድብላቕ ግና ከምዚ ሓሓሊፉ ከጋጥመና ዝጸንሐ ኣብ ዘይውጻእ ዕንክሊል እዩ ዘንብረና።
መስርሕ ቃልስና፡ ተቓለስቲ እንዳተቐባበሉ ዘቐጸልዎ ናይ ወለዶታት ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሸቶ እውን ሓደ ሸቶ ኣመዝጊብካ ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ብምስጋር ክመሓደር ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ሰንሰለታዊ መስርሕ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ነቲ ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይድካ ናይ ጣዕሳ ዝመስል ዘርባዕባዕ ገዲፍካ፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለስ ባይታ ደልዲሉ ምርጋጹ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን በሪኽ ህዝባዊ ወሳንነትን ከኣ፡ ጌና ኣብ መስርሕ ዘለዉ፡ ካብ ልኡላውነት ሃገር ኣትሒትካ ዘይረኣዩ ዛዕባታት እዮም። ምኽንያቱ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ፈላሊኻ ዘይረኣዩን እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ጐደሎ ስለ ዝኾኑ።
እቲ ምትኽኻእ ወለዶታት ኣብ ቃልሲ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብፍላይ ጐሊሑ ዝረኣየሉ መሰጋገሪ ምዕራፍት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ቃልስና ድሕሪ ልኡላውነት ኤርትራ ምርግጋጹ፡ እቲ ናብዚ ዝበጽሐ ወለዶ፡ ንቐጻሊ ዕማም ነቲ ቀጻሊ ወለዶ ከረክበሉ ዝግበኦ ጥጡሕ እዋን ነይሩ። እንተኾነ እቲ ብመስርሕ ሓላፍነት ከረክብ ዝግበኦ ዝነበረ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቐላሲኡ ጉጅለ፡ ብስስዐ ስለ ዝዓወረ፡ “ሎሚ እውን ኣነ እየ ዋና” ዝዓይነቱ ምስ መድረኽ ዘይቃዶ ሕማም ስለ ዝሓደሮ ኣይተኻእለን። ከምኡ ብሰንኪ ምዃኑ ከኣ፡ ህዝብናን ሃገርናን በቲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸፈልዎ እሞ ክሕበንሉ ዝግበኦም ዋጋ፡ ዳርጋ ኣብ ዝጠዓስሉን ዝሓፍርሉን ኩነታት ወዲቖም ኣለዉ።
እቲ ናይ ወለዶታት ናይ ቃልሲ ምርኽኻብ ኩሉ ግዜ ብጽቡቕ ድሌትን ጥጡሕ መንገድን ኣይፍጸምን እዩ። እቲ ከረክብ ዝግበኦ ከም ህግዲፍ ኣብ ተመኩሮና፡ ዘልሓጥሓት ክብል እንከሎ፡ እቲ ተረኪብካ ናይ ምቕጻል ሕድርን ሓላፍነትን ዘለዎ መንእሰይ ወለዶ፡ ብሕዝግድፍ ዘይኮነ፡ ተወዲቡን ስኑ ነኺሱን ናብ “ኣነ እየ በዓል ሕድሪ እሞ ኣረክበኒ” ናይ ምድፋእ ሓላፍነት ኣለዎ። ክንዝንገዖ ዘይግበኣና እዚ ስንኻ ምንካስ እውን ዋጋ የኽፍል እዩ። ነዚ ዋጋ ዝኸፍሎ ከኣ እቲ ናይ ወለዶታት ምቕጻል ሓላፍነት ዘለዎ በዓል ዕዳ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ። ኤርትራዊ መንእሰይ ነዚ ትውልዳዊ ሓላፍነት ምርካብ በቒዕዎዶሎ ኣይበቐዖን? ባዕሉ ክምልሶ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። እዚ ዕዳዚ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ጠዊቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብኻልእ ከይተደፍአ ብናቱ ትግሃትን ተበግሶን ክኸፍሎ ዝግበኦ እዩ። ነዚ ክትከፍል ምብቃዕን ዘይምቃዕን ከኣ ነዚ ትውልዲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ እዩ።
ጨቋኒ ስርዓት ኢሳያስ ዲግ ኣቢሉ፡ ነቲ ሓላፍነት “ክሳብ ዕለተ-ሞተይ ደኣ ጀሆ ይሕዞ እምበር ኣየረክብን” ከም ዝበለ ብዙሕ መረጋግጽታት ኣለና። ብቑዕ ተረካዊ ኤርትራዊ መንእሰይ ምእንቲ ከይፍጠር፡ ዩኒቨርስትን ካለኦት ትምህርታዊ ትካላትን ምዕጻዉ ጥራይ እኹል መረጋገጺ መኾነ። መንእሰይ መወዳእታ ኣብ ዘየብሉ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል መጸባበቒ ስም ኣብ ዝተዋህቦ፡ ብተግባር ግና ካብ ባርነት ኣብ ዘይፍለ ኣርዑት ምቑራኑ እንተ ወሲኽካሉ ከኣ ስሱዕን ናይ “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ”ን ባህርያት ናይቲ ዘይህዝባዊ ስርዓት ዝያዳ ይበርሃልካ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብኣንጻሩዚ ተግባራት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጸቢብ ጉጅለ፡ ወትሩ ኣብ ወሳኒ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ምስግጋር ወለዶታት ይኣምን። ኣብ 2ይ ጉባአኡ ንመንእሰይ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታቱ፡ “ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራን፡ ናብ ክዉንነት ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታት ኮይኑ፡ ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ። ……… ብዘይካ'ዚ መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንክሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።” ዝበሎ ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለምን ሰፋሕቲ መዳያትን ዘካይዶ ዘሎ ዲክታተርን ዲክታተርነትን ናይ ምቅላዕ ጻዕሪ ዝነኣድ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ምርካብ ትውልዳዊ ግቡእ ይጽበዮ ከም ዘሎ ንኸይዝንግዕ ከኣ ብኣንክሮ ነዘኻኽሮ።
ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዝእታዊ መቑረንቲ ኢጣልያ ንልዕሊ 50 ዕዓመታት ጸኒሓ ኢያ። ኢጣልያውያን ንኤርትራ ከም መንበሪቶምን ናብ ካልእ ሃገራት ንከስፋሕፍሑ መንጠሪትን ገይሮም ስለዝወሰድዋ ንርእሶም ኢሎም ሓያለ ትሕተ-ቅርጻታት፡ ፋብሪካታትን ናይ መጉዓዝያ ናውትን ወደባትን ተኺሎምላ ኢዮም። ንከተማ ኣስመራ ብቕዲ ናይ ከተማታቶም ሃኒጾም ከጸብቕዋን ከማዕብሉዋን ውን ተራእዮም ኢዮም።
ድሕሪ መግዝእቲ ጣልያን ዝተተኽኡ መግዛእታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ግን፡ ነቲ ብጣልያን ዝተገድፈ ንህዝቢ ኤርትራ ክጠቅም ዝኽእል ዝነበረ ስልጣኔታት ሰሪቐሞን ኣብሪሰሞን። ከም ኣብነት ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ተዘርጊሑ ዝነበረ ናይ ገመድ ተለፈሪካ ተማሕዩ ተወሲዱ። ስርዓታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቲ ልዕሊኦም ኮይኑ ዝጸንሐ ምዕባለ ኤርትራ ንታሕቲ ክድቆስ ካብ ምስራሕ ሓሊፎም ንከማዕብልዎ ዘይሕሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሖም ፋብርካታት ቦንቂሮም ወሲዶም ኣብ ዓዶም ከምዝትከል ገይሮሞ ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ማሎም ንከውፍሩ ንዝደልዩ ዝነበሩ ሃብታማት ውን ፍቓድ ተኽሊእዎም ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ከውፍርዎ ይቕሰቡ ምንባሮም ታሪኽ ዝመዝገቦ ኢዩ። ካብ መግዛእቲ ዕቤትን ብልጽግናን ስለዘይርከብ፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ 30 ዓመታት መግዝእቲ ንኤርትራ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረቶ ምዕባለ ንድሕሪት መሊስዋ ኢዩ።
“ሃገር ናጻ ገይረ ብልጽግናን ፍትሕን ክስፍን ኢየ” ዝበለ ናይ ደቂ-ሃገር መንግስቲ'ኸ እንታይ ገበረ? ንኣናባብራ ሃገር ከመይ ሓዞ? ነቶም ቀንዲ ረቓሒታት ዕቤት ሃገር ተኸተልዎዶ? ንዝብል ሕቶታት ካብ እንሪኦም ክኾኑ ኢዮም።
ኤርትራ ዘይምዕብልትን ዘይቅስንትን ሃገር ኮይና ክትነብር፡ ብዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ዝተታሕዘ መደብ ኢዩ። ብዘይ ሃገር ዝምርሓሉ ሕግን፡ ብዘይ መላእ ተሳትፎ ህዝብን፡ ብዘይ ናይ ግዳም ምትሕግጋዝን ክረጋገጽ ዝኽእል ዕቤት ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝተራእየ የለን። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነዚ ሓቂ'ዚ ኪሒዱ ኢዩ “ሃገር እመርሕ ኣሎኹ” ዝብል ዘሎ። ህዝቢ ኩሉ ጸጋታቱን ዓቕምታቱን፡ ንብረቱ፡ ፍልጠቱ ኣውፊሩ ዝዋስኣሉ ሰርዓት ከይተፈጥረ፡ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ምባል ትም ኢልካ ዘሎ ጃህራ ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ ነይሩ።
ኤርትራዊ ካብ ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ ሃገር ነቒሉ ብዘለዎ ዓቕሚ ሃገሩ ክሃንጽን ከማዕብልን ተበጊሱ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ዲዩ ኣብ ርሑቕ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ገለ ብሃብቶም ገለ ድማ ብፍልጠቶም ዓዲ ኣትዮም ክሰርሑ ብብዝሒ ኣትዮም ኢዮም። ብዝረኸብዎ ጸቢብ ዕድል ገሊኦም’ውን ወፍሪታቶም ጀሚሮም ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ግን፡ ኣማሓድራ ናይቲ መንግስቲ ስድሪ ከኺዶም ስለ ዘይከኣለ፡ ግዜኦም ኣባኺኖም፡ ዘፍሰስዎ ገንዘብ ከሲሮምን ንብረቶም ደርቢዮምን ነናብ ዝነበርዎ ሃገራት ተመሊሶም። ብዙሓት ካብዞም፡ ኣብ ዓዲ ክሰርሑ ፈቲኖም ዘይኮነሎም፡ ሰብ ሙያን ሃብትን ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ከንያ፡ ኣንጎላ፡ ኮንጎ ወዘተ... ከይዶም ርእሶም ተረቢሖም ነተን ሃገራት ውን ገዘፍቲ ስራሓት ኣብ መዳያት ትሕተ-ቅርጻ፡ ኣባይትን ኤለክትሪካዊ ጸዓትን መጉዓዝያን ክሰርሑለን ኪኢሎም ኢዮም። እዚ ኹሉ ኣብ ግዳም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሃብትን ፍልጠትን ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣትዩ ክሰርሕ ምቹእ ኩነታት እንተዝፍጠረሉ ብርግጽ ኤርትራ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ምተቖጽረት ነይራ።
ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሉ ግዜ ናብ ቅድሚት ምህዳም ኣመሉ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ክገብሮ ዘይክእል ክንገብር ኢና፡ መደብ ሒዝናሉ ኣለና እናበለ ከደንዝዞ ኢዩ ዝርአ። ክንገብር ኢና'ምበር እዚኣ ጌርና ኣለና ክብል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ናይ ዝስተ ማይ፡ ናይ ኤለክትሪክ፡ ናይ ኣባይቲ ውዘተ..... ሕቶታት ኩሉ-ግዚ ንዓመታት እናተሓተቱ ዝመጹ ኢዮም። መልሶም ድማ፡ ከም መደባት ሒዝናዮም ኣለና ዝብል እንተ ዘይኮይኑ፡ ክንድዚ ሰሪሕና ክንድዚ ተሪፍና ዝብሃል የለን።
ዳርጋ ሰላሳ ዓመት ኣብ ስልጣኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ (እዚ ክንድቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ እዋን ማለት ኢዩ) ኣብ ዕለት 9 የካቲት 2020 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ኣብ 1991 ዓ.ም ኮይኑ ዝዛረቦ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ንሰላሳ ዓመታት በይኑ ኮይኑ ከም ዘይመርሐ ኣብዚ ሃገር ንቁጠባዊ ወፍሪ ክኸውን ዝኽእል ባይታ ከምዘየለ ክገልጽ ተሰሚዑ። ጽርግያታት፡ ወደባት፡ ጽዓት፡ ፋብሪካታት ዝብሃል ኣብቲ ዓዲ ከምዘየለ። ናይ ማይን ኣባይትን ቀረባት ካብቲ ከዐውትዎ ዘይከኣሉ ንሂወት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ከምዝኾኑ፡ ናይዚ ምኽኒያት ድማ ብቀንዱ ጉድለት ምምሕዳርን ሙያን ከም ዝኾነ ገሊጹ። "ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምጽዋዕ ሎሚ የላን። ዝነበረ ፋብሪካታት እንዳ ዓለባ፡ እንዳ ጥርሙዝን ካልኦትን ኩሉ በሪሱ ኢዩ የሎን።" ክብል ተሰሚዑ ዲክታቶር ኢሰያስ። ኢትዮጵያ ተሳዒራ ክትውጽእ ከላ ኣብ 1991 ተዳኺሙ እምበር እዚ ፋብሪካታት ነይሩ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓቲ ብዱዕ፡ ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክገብራ ኢየ ዝብል ዝነበረ ብዱዕ ዲክታቶር ኢሰያስ ኢዩ፡ እቲ ኩሉ ዝነበረ ሃብቲ ሃገር በሪሱ።
ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሰያስ ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ እቲ ዝዓበየ ክሳራ ኣብ መደብ ስርዓተ ትምህርቲ ኢዩ። ኢሰያስ ብዝተኸተሎ ፖሊሲ ስርዓተ ትምህርቲ ብቑዓት ሰብ ሙያ ከፍሪ ከምዘይክእል ብዓንተብኡ ዝተፈልጠ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን ናይ ኩሉ መዳያት ህይወት ናይታ ሃገር ባዕሉ ኢሰያስ ገባራይን ሓዳጋይን ኮይኑ ዝመጻሉ መስርሕ ናይ ኩሉ ፍሽለታት ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንዝተኸስረ ዝኽሕሰሉ ኣብ ክንዲ ምድላይ ካልእ ሰበባት ንምርካብ ምፍታኑ ኢዩ።
ኤርትራ ነዚ ሕጂ እትሓልፎ ዘላ መንገዲ ኣወጊዳ ክትመጸሉ እትኽእል፡ ብልጽግናን ቅሳነትን እትጎናጸፈሉ ኣገባብ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ንመላእ ህዝቢ ዘሳትፍ፡ ብሕጊ ዝምራሕ ንዘለዎ ሃገራዊ ጸጋታት ብማዕረን ፍትሕን ዝጥቀም ስርዓት ምኽታል ነይሩ።
ህዝቢ እንዳተወራረሰ ንወለዶታት ዝቐጽል ከም ባሕሪ ዝምሰል ናይ ኩሉ ዕቤት ሰፊሕ መሰረት እዩ። ሓደ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ምንጪ ሓያልነትን ቀጻልነትን እዩ። ብመንጽርዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ኣካል ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ ሃገሩ ዝነበረ፡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሃገርን ህዝብን ንእንታይነት እቲ ጉዕዞ እንተ ንልምዓት እንተ ንጥፍኣት ካብ ዝውስኑ ረቛሕታት ሓደ፡ እቲ ህዝቢ ዝምረሓሉ ሕግን ንዓኡ ዘተግብር በብግዜኡ ዝቀያየር መንግስቲ ዝጥቀስ እዩ።
ብባህሪቲ ንሓንቲ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ ዝጽለው፡ መጻኢ ዕድል ናይታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝባ መጻኢ ተስፋን ዕቤትን እውን ናይ ምውሳን ተኽእሎ ኣለዎ። ገለ መንግስታት ብኣመጻጽእኦም ኮነ፡ ኣመራርሓኦም ህዝባዊ እዮም። ገለ ምምሕዳራት ከኣ ብኣንጻሩ ዝመጽሉ መንገዲ ኮነ ዘመሓድርሉ ኣገባብ ዓመጸኛ እዩ። ወሳኒ ግደ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ህዝብን መንግስትን ዕድል ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምውሳን አእጃሞም ኣለዎም። እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገር በብጽሒትካ ናይ ምውሳድ መስርሕ ብሃቦ ተረከቦ እንዳመንዛዕካ ዝውሰድ ዘይኮነ፡ ብሕጋዊ ህዝቢ ዝተቐበሎ ሰነድ ዝተደረተ ናይ ኩንትራት ስምምዕ ዝውሰን እዩ። እዚ ሰነዳዊ ስምምዕ፡ እዞም ሰብ እጃም ህዝብን መንግስትን ነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዝገብሩ ዘፍቅድን እንታይ ንከይገብሩ ዝድርትን እዩ። ናይዚ ስምምዕ ቀይሕ መስመር ተረጊጹ ክጠሓስ እንከሎ ከኣ፡ ሚዛን ንምሕላው ቀጻሊ ናይ ሕድሕድ ምቁጽጻር ኣሎ። በዚ ስምምዕ እዚ ተማእዚዝካ ምምራሕን ዘይምምራሕን ከኣ እንታይነት ናይቲ መንግስቲ ዝውስን እዩ። እዚ ስምምዕ ክጠሓስ እንከሎ፡ “እምቢ” ምባልን ዘይምባልን ከኣ ናይቲ ህዝቢ ሓላፍነት ዝምዘነሉ እዩ።
ከም በዓል ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ጉሒላ ጉጅለታት፡ ኣመጻጽእኦም ናይ ዓመጽ ስለ ዝኾነ፡ መስርሕ ምምሕዳሮም እውን ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእል ብተግባር ተራእዩ እዩ። እቲ ደረቶም ከይሓልፉ ንምእዳቦም ዝግበር ቃልሲ ከኣ፡ ዝኾነ መልክዕ እንተሓዘን ክወስዶ ዝግበኦ ግዜ እንተወደን፡ ነቲ ህዝቢ ናይ ምጥላም መስርሕ ምምሕዳሮም ናብ ንቡር ቦታ ንምምላሱ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ናብ ንቡር ባህሪ ናይ ምምላስ ቃልሲ፡ ነቲ ግጉይ መንግዲ ዝሓዘ ኣካል ናብቲ ግቡእ ቦታኡ ብምምላስ ዝሳለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ካብ ንግሆኡ ጌጋ መንገዲ ዝመረጸን ካብቲ ሓቂ ኣዝዩ ዝረሓቐን፡ ምእንቲ ሓቀኛ ስርዓትን ልዕልና ሕግን ዝርህርህ ባህሪ ስለ ዘየብሉ፡ ካብቲ መስርሕ ግሒጥካ ብምእላዩ ጥራይ’ዩ ዝውገን። ንሕና ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ንምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ኩሉ ትካላቱ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ሸቶ ቃልስና ኣብ ቀዳምነት እንሰርዖ ከኣ፡ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል ኢና። ከምቲ ወለድና፡ “ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ፡ ዳኛ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ” ዝብልዎ፡ ሳዕቤን ሕገመንግስትን ህዝቢ ዝማእከሉ መሪሕ ኣካልን ዘይምህላው ክሳብ ክንደይ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ከም ዝሃሰዮን መዕንደር ዕቡዳት ሓለፍቲ ጉጅለታት ከም ዝኸውንን ከኣ ኣብ ጉዳይና ንርእዮ ዘለና ክዉን ሓቂ እዩ።
ገለ መንግስታት ከተዓሻስዉ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦም መሰማምዒ ውዕል ይህልዎም እሞ፡ ኣጸንትዮም ይጥሕስዎ። ነዚ ክጥዕሞም ከኣ ህዝቢ ነቲ ስምምዕ ዝከላኸለሉ ትካላት የዳኽሙ ወይ ድማ የፍርስዎ። ንህዝቢ ብጸቢብ ስምዒታት ምክፍፊልካ ኣብ ሕድሕዱ ከምዘይሰማማዕ ምግባሩ ከኣ ካልእ መሳሪሕኦም እዩ። ኩነታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆና ህግዲፍ ዝያዳ ኣገራሚ ዝኸውን ድማ፡ ንቃለ-ዓለም እውን ሕጊ ዝበሃል ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ነቲ ብቃልሱ ኣብ ዙፋን ዘቐመጦ ህዝብና ከም ዝንዕቆን ዝድንድኖን ዘርኢ እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ክቱር ንዕቀት ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝረአ ዘሎ ኩነታት ህዝብን መንግስትን፡ በብጽሒቶም ፈሊጦም ብሓባር ሃገር ኣብ ዝሃንጽሉን ዝሕልውሉን ኣይኮኑን ዘለዉ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ህልውናኡን ቀጻልነት ልኡላውነቱን ከውሕስ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ልኡላዊ ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከጥፍእ፡ ኣብ ዝለዓለ ናይ ምድሓንን ዘይምድሓንን ወሳኒ ምትሕንናቕ እዮም ዝርከቡ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ሕጋዊ ቀይድን ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮትን ወጺኡ፡ ቅትለት፡ ዓመጽን መን ኣለኒ በሃልነትን ሓሊፉ ብክብሪ ሃገር ምውጋይ ስለ ዝተኸተለ እዩ።
ዘይሩ ዘይሩ ግና መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝምድና ባሕርን ዓሳን ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብድሌት ህግዲፍ ዝደናጐ እምበር ዘይኩለፍ፡ ንዓኡ ዝምጥን ስርዓተ-መንግስቲ ናይ ምፍጣር ድሌት፡ ስልጣንን ዓቕምን ኣለዎ። ጉጅለ ህግዲፍ ብኣንጻሩ፡ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ዘርባዕብዑ፡ ንሓዋሩ ዝዕንድረሉ ህዝቢ ጠፋጢፉ ክሰርሕ፡ ድሌት እምበር ዓቕምን ስልጣንን የብሉን። ሓደ እዋን ህዝብና ከምዚ ጀሚርዎ ዘሎ፡ ብሓደ ቃል “ደጊም ይኣኽለካ ውረድ ካብ ዝባና” ምስ በሎ፡ ካብ ባሕሪ እንተወጺኡ ከም ዝመውት ዓሳ፡ በድኒ ኮይኑ ዝጐሓፈሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብዚ እዋንዚ ዝነዝሖ ዘሎ ናይ “ኣለና ማለት” ሓሶት ከኣ ናይ ጻዕረ-ሞት ምልክት እምበር ናይ ሓያልነቱ መግለጺ ኣይኮነን። ጽባሕ ብመሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕልቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራብ ተጸይፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጐዪ ዘሎ መላኽን ጉጅለኡን ዘይተርፍ ዓወት ክምዝገብ እዩ። ህዝብና ከኣ ንክብሩ ዝምጥን ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክምስረት እዩ። ህግዲፍ ከኣ ካብቲ ህዝባዊ ባሕሪ ምስ ተጓሕፈ ካብ ማይ ናይ ዝወጸ ዓሳ ጽዋዕ ክጭልጥ እዩ።
ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ክብርን ቀጻልነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዘይተርፍ ምንቁልቋል ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእዩ ብዙሓት ምልክታት ኣለና ይብሉ ኣለዉ። ንሕና ኣይኮነንዶ ሎሚ ኩነታት ኣብ ባይታ ከመይ ከምዘሎ እንዳረኣናን እንዳሰማዕናን፡ ካብ ቅድም እውን “ህዝቢ ነባሪ’ዩ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ” ዝብል መደምደምታ፡ ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ መሰረታዊ እምነትና እዩ። እቶም ክሳብ ሎሚ ጉዳያት ገላቢጦም “ህግዲፍ ነባሪ እዩ፡ ህዝቢ ከኣ ተሰዓሪ’ዩ ብዝቓንኡ፡ ኣብ ዙርያ ህግድፍ ከምሰስዉ ዝጸንሑ ኩሎም፡ ናብ ልቦም ተመሊሶምን ተናሲሖምን “ህዝቢ ነባሪ’ዩ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ” ዝብል ባይታ ረጊጹ ንዘሎ ሓቂ ክርዕሙ ንጽወዖም።
ካብቲ ናይ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ዲና?፡ እዚ ምልካዊ ኣተሓሳስባ እዚ እንተስ ብግሁድ ወይ እውን ተዘዋዋሪ መገዲ፥ “ኣነ እየ ዝመርሓካ” ዝብል ስምዒት ካብ ኣእምሮና ኣይተሓኸኸን ዘሎ። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ይኸውን፡ ነቲ ዘሰማምዓካን ዘራኽበካን ገዲፍካ፥ ኣብቲ ዘየራኽበካን ዘየሰማምዓካን ሸንኮለል ዘብለና ዘሎ። እወ! ወግሐ ጸብሐ ዋላ እኳ ውደባ እንተዘይተጸልአ፥ ወትሩ ሓዲሽ ውደባ ምፍጣር ንገዛእ ርእሱ ካብቲ “ኣነ እየ ዝመርሓካ፥ ዝብል ኣተሓሳስባ ናጻ ኣይኮነን።
ልክዕ እዩ፡ ወዲ ሰብ ካብ መፈጠርትኡ ኣትሒዙ መነባብሮኡ፥ መግቡ፥ ክዳኑ ከምኡ እውን መጽለሊኡ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ተፈጥሮኣዊ ኣድልይነታት ከውሕስ ይኹን ንባህሪ ክቆጻጸር ክቃለስ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ብተግባር ከሰንዮ ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ፥ ካብ ግዚ ናብ ግዜ ጥሙሓት ወይ ጦብላሕታታት ከዛይድን፡ ብኡ መሰረት ድማ ናይ ምብሓትን ምውናንን፥ ካልእ ባህርያት የጥርን የማዕብልን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ዝውንን ባእታ፡ ድሌቱ ከዕውት ስልጣን ናይ ምጭባጥ ሕልና ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዞም ከምዚ ዝተጠቕሰ ባህሪ ዘለዎም ሰባት፡ ስልጣን እንተጨቢጦም ድማ፡ ክጭቁኑን ናተይ ስምዑ ዝብል ጠባይ ከምዘማዕብሉ ክጽዕሩን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ናይ ስልጣን ምብሓት ሕልና፡ ምስ ካልኦት ኢሂን ምሂን ኢሉ ክዛተየሉን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጠሉን፡ ዘኽእል ተጻዋርነት የብሉን። እዚ ነቲ ፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ኣሳታፍነትን ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ ኣምራት ክኣምነሉ ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ ሕልና ወዲ ሰብ ምስቲ ባህርያዊ ተፈጥሮኡ ተኣሳሲሩ ነቲ ድሌታቱ ከምዝግዛእ ብሩህ እዩ።
ካብዚ ብምንቃል ሓደ ሰብ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ናይ ውልቁ ዝና፡ ረብሓን ስልጣንን ልዕሊ ኩሉ ገይሩ ስለዝወስዶ፥ ናይ ካልኦት ሓሳባትን ርእይቶታትን፡ ኣብ ግምት ከኣቱ ይኹን ናይ ምስማዕ ተዕግስትን ተኽእሎን ፈጺሙ የብሉን። እዚ ባህሪ እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐን እናደልደለን ዝኸይድ ጥሙሓት ይዕብልል። ነዚ ጥሙሓት እዚ ንምትግባር ድማ ሃይማኖታዊ፥ ዓሌታዊ (አትኒክ) ባህላዊ ወይ እውን ኣደናጋሪ ነፍሕታት፡ ዝምቡዕ ሓበረታን፥ ኣጉል ተስፋን ከይተጠቕመ ስልጣን ዓትዒቱ ኽጭብጥ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ፡ ስልጣኑ ብሒቱ ካልኦት ድማ ብሒም ከምዘይብሉ ክቕጽል እንተኾይኑ፥ እቶም ካብ ስነፍልጠት ወጻኢ ዝኾኑ ድሑር ኣተሓሳስባታትን “ኣነ እየ ዝመርሓካ” ዝብል ኣተሓሳስባን ጥራይ እዮም። እዚ ነቲ ሕብረተሰብ እንተስ ሓለፋታት ብምሃብ ወይ ኣፈራሪሑ ወይ እውን ከፋፊሉ ብምግዛእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንኸእትዎም ግርም ገይሩ ዝሕግዞ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ እቲ ሕረተሰብ፡ ኣብ ጸጊዕነትን ድሑር ዝምባሌታትን ዝጠሓለ እንተኾይኑ፥ መፍቶ ናይቶም ኣነ ኢየ ዝመርሓካ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዓቢ መኽሰብ እዩ። ስለዚ እዞም ብመልሓስና ዲሞክራሲያውያን ኮይና እንምድርን ንህዝቢ ኣሎናልካ እናበልና እንጥብርን ነቲ ዝተጠቕሰ ድሑር ንዕምሪ ስልጣጣንና ዘናውሕ ዝንባለታት ክንጥቀመሉ ናይ ግድን እዩ።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣብቲ ስነ-ልቦናን ኣተሓሳስባን እዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ሽግር። ገሊኡ ኣዛዚ ወይ ሓለቓ ኮይኑ፡ ንሱ ዝደልዮ እምበር ናይ ካልኦት ሓሳብ ኣብ ግምት ከእቱ ዘይደሊ። ስልጣን ኣብ ኢዱ ምስ ጨበጣ ኣብ ክንዲ ብሰፊሑ ሓሳባት ምውህላል፡ ኣብ ናይ ውሑዳት ሓሳባት ይሙርኰስ። ነዚ ንምትግባር ኣብ ዙርያኡ”እወ ሓቅኻ” እናበሉ ዘሻድንዎ ኣካላት መሪጹ ኣብ ጎኑ ይእክብ። ነዚኦም ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተዎም ከኣ ኣነ ዝበልኩኹም ግበሩ ካብ ዝብል ሓሳብ ኣይወጽእን። ብተወሳኺ ዝምድናታቱ ምስቶም ዝኣምንዎን፥ ንሱ ውን ከምድላዩ ሸዀርተት ዘብሎምን ኮይኑ፥ ንርእይቶታት ካልኦት ሸለል ኢሉ ከመሓድርን ክቆጻጸርን ኣነ እየ ዝመርሓካ ዝብል ባእታ ይኸውን። ኣብ ከምዚ እዋን እዚ፥ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ወይ ዝኽተል ባእታ፡ ነታ ንሱ ዝደልያ ንዝጻረር ኣካል፡ ኣብ ጐድኑ ወይ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ ምስኡ ክዋሳእ ፈጺሙ ቅሳነት ኣይህቦን። በዚ ምኽንያት ካብኡ ብርእይቶ ዝፈለዩ ወይ ዝፍለ ዝበለ፥ ብገለ ምኽንያት ኣመሳሚሱ ልክዕ ከምዛ ውለቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝገብራ፥ ካብ ሓላፍነት የውርዶ። እዞም ከምዚ ናይ በዓል ኢሰያስ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ባእታታት፡ መጀመርያ ዲሞክራሲ ንእትብል ቃል ፈጺሞም ኣይኣምኑላን ኢዮም። እቶም ንዲሞክራሲ ንኣምን ዝብሉ እንተኾኑ እውን፥ ነቲ ንሶም ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ሓሳባቶም ጥራይ ክስዕር ዝደልዩ እምበር፡ ነቲ መሰረት ናይ ዲሞክራሲ ኣብ ታሕቲ ክሃንጽዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ ኣብታ ስልጣኖም ክትመጾም ስለዝኾነካ ንትሓታትነትን ቁጽጽርን ድልዋት ኣይኮኑን።
ወዲ ሰብ ሕልንኡ ምስ ደኸመ ወይ እውን ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ኣብ መርገምን ኣጉል ትጽቢታትን እዩ ዘድህብ። ተጠርኒፉን ተወሃሂዱን ብሓባር ብምስራሕ፡ ነቲ ዝዕንቅጾ ዘሎ ከልግስ ክንዲ ዝንቀሳቐስ፥ ትኽ ኢሉ ኣብ ከተኣማምን ዘይክእል ጥርጠራታት ንኽኣቱን ከእቱን እዩ ዝጽዕር። ሓደ ካብ ባህርያት እዚ፥ ንታሪኽ ብምዝንባዕን ግጉይ ሓበረታ ብምሃብን ነቲ ክገብሮ ዝግበኦ ከም መመኽነይታ ይጥቀመሉ።
ሓደ ሕብረተሰብ ንፖለቲካዊ ስነፍልጠት ጎስዩ ናቱ ሓሳብ ጥራይ ዝዝርግሕ፥ ኣብ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ሓበረታ ከጋጥሞ ከሎ እንታይ ክገብር ይኽእል።? እቲ ተገራጫዊ ሓበረታታትከ እንታይ ዝመስል እዩ እውን ነግዛእ ርእሱ ክመምዮዶ ይኽእል። ኣብ ውሽጢ እዚ ድማ ኩሉ እቲ ሕብረተሰብ ሓደ ዝዓይነቱ ርእይቶታት ዘይኮነስ፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት እዩ ዝውንን። ነዚ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ምስቲ ንሓድሕዱ ዝገራጮን ሓቅነትን ጭብጥን ዘይብሉ ሓበረታ ምስ ዝውሰኾ ናብ ዘይርጉእ ሃዋህው እዩ ዝነቚቶ። ነቲ ተገራጫዊ ሓበረታታት ድማ በየንን ካበይን ይውንጨፍ ኣሎ መምዩ ነቲ ክስማዕ ዝከኣል ንኸይሰምዕ እውን ዓቐብ ይኾኖ። ኣብ ከምዚ ምጥርጣራት ወይ ድማ ዘይርጉእነት ህሞት እቲ ከም መከላኸሊ ዝጥቀመሉ ሽፋን ዝያዳ ናብቲ ዘደናግር ሓበረታ እዩ ዝቋመት። እዚ ኣደናጋሪ ሓበረታ’ዚ ገሊኡ ነታ ናቱ ሓሳብ ወይ ድሌቱን ባህጉን ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ፥ ገሊኡ ድማ በኣንጻሩ ክኽውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ እቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ክበርሃሉ ከሎ እዩ ዝያዳ ኣብ ናይ ሓድሕድ ምትእምማንን ነቲ ዝድለ ዘሎ ሸቶ ንምህራምን ጭቡጥን ግብራውን ስራሓት ከሰላስል ዝኽእል። ንነገራት ውን ብግቡእ መዚኑ ነቲ ድሓርን ቅድምን ዝመጽእ ሳዕቤናትን ተረኽቦታትን ክመምን ከስተውዕልን ዝኽእል።
ሎሚ፡ ካብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝኾነ ተረኽቦ ጽጹይ ሓበረታ ከምዘይርከብ’ኳ እንተተፈልጠ፥ ደቂ ሰባት ግና ግምታት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ናቱ ናይ ሽሕጣንን ምጥባርን ኣገባባት፥ ከምኡ እውን ኣደናግርን ዝንቡዕን ወረ ፈንዩ ነቲ ህዝቢ ኣቕጣጫኡ ንኽስሕት ዘይገብሮ ጻዕሪ የለን። እወ! ኣብዚ ቅንያት እዚ ኢሰያስ መይቱ፥ ትባሂሉ እንደገና ግን ካብ ሞት ተንሲኡ ዝብል ወረ ድማ ትሰምዕ። ነዚ እቲ የዋህ ሰብ ተመስገን እንቋዕ ከደልና እዚ ጋኔን ዘይበለ ኣይክህሉን እዩ። ገሊኡ ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተግባራት እዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበን ዘስካሕከሐ ከኣ በሉ ሕጅስ ነኣና ዝኸውን ይፍጠረልና ዝብል ከኣ ኣይሰኣንን ይኸውን። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ጠቕሞም ምስ እዚ ስርዓት ዝተኣሳሰር ናይ ሓዘን ምልክትን መሬት ወሓጥንን ኣብ ዝዓይነቱ ስምዒት ክሽመሙ ምዃኖም ርጉጽ እዩ። ኣብኡ ክሽመሙ ጥራይ ዘይኮነስ ብህዝቢ ውን ክፍንፈኑ እዮም።
እቲ ኣውራ ዘዛርብን ኩልና ክንሓስበሉ ዝግበኣናን ጉዳይ ግን ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ ሎሚ፥ ህዝቢ አርትራ በዚ ናይ ተቓዋማይን ደጋፋይን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ኣሎ። እቲ ተቓዋሚ እውን ኣብ ንሓድሕዱ ስኒትን ምትእምማንን ኣብ ዘይብሉ ዘለናሉ እዋን ትዕድልቲ ናይ ህዝብናን ሃገርናን እንታይ ከኸውን ወይ ከመይ ክመስል እዩ ዝያዳ ከሕስበና’ዩ ዝግባእ። ኢሰያስ እንተስ ብሞት ወይ እዋን ዕምሪ ስልጣኑ ኣብቂዑ ዝውገደሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን። ግን ንሕና ኤርትራውያን ከብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝረኸብናዮ ኣደራዕ ብጠባሪ መልሓስን፥ ንሕና እምበር ካልኦት ኣየገድስን ካብ ዝብል ሓሳብ ክንወጽእ ኣሎና። ካልኣይ ነጥቢ፡ እቲ ንኹልና ዘርበሓናን፥ ቀሲንና እንነብረሉ ውሑስ ሃለዋትን መሰል ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝሕለወሉን ኣገባብ ከመይ ገርና ነጣጥሕ ኣሎና ዝብል ክንሰርሓሉ ኣሎና።
ኣብ ከምዚ ዝተፈላለናሉ እዋን፥ እቲ ደሓር ዝመጽእ ኣብ ቅድሚት ሰሪዒና ክንዋገ እንተዀና ግጉይን ኣሉታዊ ውጽኢትን እዩ ከስዕበልና። እዚ መድረኽ እዚ መድረኽ ምክእኣልን ምጽውዋርን፥ ንኩነታት ብግቡእ ምርዳእን ብኡ መሰረት ድማ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኣተሓሳስባን ግብሪ ዝስነዮ ኣገባብን ክንክተል እዩ ዝዕድመና። ንሱ ድማ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ "ሓሸውየ ውድባት ኣየድልን፡ ክኣቱ ዝደሊ ይእቶ" ክበሃል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምት ውሳኔን ንሓቢርካን ተኸባቢርካን ዘናብር ናይ ስልጣን ምምቕራሕን ስነ-ሓሳብ ክንውንን የድሊ። እዚ ማለት፥ ካብ ዓሌታውን ብሄራውን ስምዒታትን መንነትን ነቒልና፥ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ክንብል ሃይማኖት፡ ቋንቋን ስነ-ሓሳብን ከም መሳርሒ ንናይ ስልጣን ምጭባጥ ክንጥቀም ኣይግባእን።
ኢሰያስ ይሙት ይሃሉ ነቲ ፍቕሪ ሃገርን ሃገራውነትን፥ ሕውነትን ምክብባርን ዝደምሰሰ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ወጊድ ኢልና፥ ኣብ ክንድኡ ንህዝብና ዘሳኒ ቅኑዕ መሕደራ ክንትክኦ ኣሎና። እዚ ምስ እንገብር፥ ሃገርና ብሓባር ክንሃንጽ ዝዕላምኡ ሓሳብ ክነኻዕብትን ፍትሓውያንን ሕጋውያንን ካብ ምዃን ሕጂ ውን ኣይንተሃመል። ካብ ኩሉ ድማ ንሕና ናጻ ኣውጺእናያ፡ ንሕና ድማ ነዚ መላኺ ስርዓት ባሕጒግና ደርቢናዮ፡ ካብ ዝብል ሓሳብ ወጺእና ንሶምዶ ንሕና፡ ዝብል ንጎንኒ ኣቐሚጥና ዝድግፍን ዝቃወምን ዝነበረ፥ ሓቢርና ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ክንሃንጽ ናይ ኩልና ሓባራዊ ዕማም ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
እወ! ናይ ኢሰያስ ሎሚ ዲዩ ጽባሕ ሞት ወይ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ዘይተርፍ እዩ። ግንከ ከምቲ "ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም" ዝበሃል ንሱ ጥራይ የልግሰልና ኢልና ክንቀስን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኩልና ኣብ ትሕቲ ብልሹው ምምሕዳርን ጨቋንን መላኽን ስርዓት እንመሓደር ዝነበርና ብምዃንና፡ ካብቲ ዝነበረ ግፍዕን በደል ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰልን ዝወልዶ ምጥርጣራትን ዘይምትእማን ክህሉ እዩ። ነዚ ንምፍዋስ ወይ እውን ካብዚ ጨቋኒ ስርዓት ዝፈጸሞ ዘናግፍ ፍኖተ ካርታ (መርሃ-ገበይ) ኣብ ኣእምሮና ክንቀርጽ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ኢሰያስ ሞይቱ እንደገና ተንሲኡ እናበልና፡ ኣብ ንሓድሕድና ዘጠራጠርን ምትእምማን ዘስእንን ምፍልላያት ደው ክነብሎ ኣሎና። ካብዚ ብተወስኺ፡ ነቲ ጽባሕ ዝፍጠር ስነ-ምግባርን ስነ-ስርዓትን ዝጎደሎ ኣካይዳ ምስ እንጎዓዝ ካብቲ መላኺ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ልዕሊኡ ክንገፍዕን ክንጭቁንን ኢና ማለት እዩ።
ቀንዲ ቆላሕታ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣንጻር መግዛእቲ ኮነ፡ ደሓር ኣንጻር ዘቤታዊ ጭቆናን ወጽዓን ኣብ መንነት ናይቶም ገዛእትን ወጻዕትን ዘትከለ ዘይኮነ፡ ኣንጻር’ቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ዝነበሩን ዘለዉን ኣተሓሳስባን ኣዕናዊ ሳዕቤኑን ነይሩን እዩን። ኣብቲ ምረት ናይቲ ወጽዓ፡ ግደ ናይቶም ተግበርትን ተዋሳእትን ኣካላት’ኳ ቀሊል እንተዘይነበረ፡ እቲ ቀንድስ ኣብቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ዘየናሕሲ ኣተሓሳስባን ዝዋስእሉ ኮርኳሕ ሜዳን እዩ ዘሎ። እዚ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ እንተዘይተበርቊቑ ወይ እንተዘይተሳዒሩ ሓደ ተዋሳኣይ እንተሓለፈ ብኻልእ መልክዑ ቀይሩ ዝመጽእ መዕሸዊ ህይወት ናይ ምስኩዑ ዕድል ክፉት እዩ። ኮታ ከምዚ ሓደ ኦም እንተቖሪጽካዮ ናይ ምጭብጫብ ዕድል ዝህልዎ፡ ኩዒትካ ካብ ሱሩ እንተምሒኻዮ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩ ዝበርስ ጌርካ ምውሳዱ ዝከኣል እዩ።
እቲ ኣተሓሳስባ ንሓዋሩ ክጠፍእ ወይ ተመሊሱ ክጥጥዕ ዝውሰን ኣብ ኢድ እቶም ገዛእቲ ወይ ጨቆንቲ ጥራይ ዘሎ ዘይኮነ፡ ናይቲ ተገዛኣይ ወይ ተወጻዓይ ሓፋሽ፡ ነቲ በደላት ዘይቅበል ንቕሓትን ቅሩብነትን ምሕዳርን ዘይምሕዳር ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ወጽዓን ጭቆናን ንሓዋሩ ናይ ዘይምምላስ ውሕስነት ዝረክብ ብናይ ውሱናት ገዛእን ዘመናውያን ጨቆንትን ሙሟት ወይ ምሕማም ዘይኮነ፡ ንመግዛእትን ወጽዓን ዘይጸውር ናይ ህዝቢ ተረድኦ ብዘተኣማምን ሱር ሰዲዱ ክሰርጽ እንከሎ ጥራይ እዩ። ናጽነትናን ሓርነትናን ኣብ ኢድ ህዝብና ዘሎ ውሳነ እዩ እንብል እውን ካብዚ ነቒልና ኢና። ስለዚ ራህዋና ኣብ ምሕማም ወይ ሞት ኢሳያስ ዝምርኮስ ከም ዘይኮነ፡ ከነስተብህል ይግበኣና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ቀራን ጸረ ህዝቢ ባእታ ወይ ጉጅለ ተደኒሱዓዲ ክውዕል ወይ ደሓር ከምዘይምለስ ክፋኖ እንከሎ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ኣንጻር ረብሓኡ ዘየውሕስ ኣተሓሳስባ እዩ። ቅድም ንገዛእቲ ሎሚ ድማ ንወጻዕትን ጨቆንትን ዝቆጻጸሮምን ዝዕቅኖምን ከኣ ብመንጽር፥ ቋንቁኦም፡ ሃይማነቶም፡ ወይ ዓሌቶም ዘይኮነ፡ በቲ ንምብዳሉ ዝምርሕሉ ኣተሓሳስባኦምን ብኣኡ መሰረት ኣብ ልዕሊኡ ዘስዕብዎ፡ ቅትለት፡ ስደት፡ ምግፋፍ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰላት፡ ብኩራት ፍትሒ፡ ቁጠባዊ ግበታን ምንፋግ ናጽነት እምነትን……ወዘተ እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ኣታሊልካ እምበር፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ መሊስካን ኣዕጊብካን ናይ ምምራሕ፡ ባህሊ፡ ትዕግስቲ፡ ድልውነት፡ ኣተሓሳስባ ኮነ ዓቕሚ ዘየብሉ ኣብ ናይ ሸፈጥ ዓለም ዝነብር ምዃኑ፡ ሎሚ ኣይኮነንዶ ንዓና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም መለለይኡ ምዃኑ ካብ ዝበርህ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ነዚ ስንኩል ኣካይዳኡ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ከኣ “ሓሶት ነዚሕካ፡ ተመሊስካ ንካለኦት ብሓሶት ናይ ምኽሳስ” ፈሽኳል ተንኮል እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንተረኽቦታት ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ምጽራይ ዘየኽእል፡ ናይ ሓበሬታ ምዕጻው ፖሊሲ ከኣ፡ ንኸምዚ ዓይነት ሸንኮለል ምሉእ ዕድል ክኸፍት ዝተሃንደሰ ሜላ እዩ። ኣብዚ ካብ ዝጥቀምሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ግዜ እንዳጽነዐ ንገለ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምሕማም ንሓንሳብ ድማ ምቕታል እዩ። “እገለ ንመንግስቲ ከዲዑ” ዝብል ከም ሜላ ዝጥቀምሉ ግዜ እውን ኣሎ። ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ በለካ ለኸዓካ ሃልኪ ከኣ ካብቶም ዘሕምምዎም፡ ዝቐተልዎም ወይ ዘኽድዕዎም ናብ ሚድያ ኣምጺኦም፡ ነቶም ተዛሪቦም ዘዛረብዎም ተመሊሶም ብሓሶት ይኸስዎም። እዚ ብሃውሪ ዝሰርሕዎ ዘይኮነን፡ ካብቲ ኣብ ልምዓትን ምምላስ ሕቶ ህዝብን ክውዕል ዝግበኦ፡ ገንዘብን ክኢላን ተመዲብዎ ዝስራሕ እዩ።
እዚ ጉዳይዚ ኣብ ዙርያ ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ተጠቒመምሉ እዮም። ብዙሕ ግዜ ኣሕሚሞም ኣሕውየምዎ፡ ቀቲሎም እውን ኣተንሲአምዎ። ናብ ዱባይ፡ ጅዳን ኤምረትን ወሲዶም ከኣ ንሓንሳብ ብግብሪ ንሓንሳብ ድማ ንልበወለዳዊ ድራማ ሕክምና ኣመላሊሰምዎ። ሓደ መዓልቲ እታ ናይ ብሓቂ ሞት ክትመጽእ ምዃና ግና ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ዘይተርፍ ሕጊ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ወዲ 75 ዓመት ኣብ መንእሰያት እውን ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። ሓሚምካ ምድናስ ወይ ሞት ናይ ኢስያስ፡ ብሰንክቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተራእዩ ዘይበሃል በደልን ግፍዕን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘቕልበሉን ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህቦን ግና ፍሉጥ እዩ። ቀንዲ ጠመተ ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ኢሳይስ ከም ሓደ ፍጡር ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይ ኩሉ በደላት መንቀሊ ርኹስ ኣተሓሳስባኡ እዩ። እቲ ንኢሳያስ ዝለኸፈ እሞ ካብ ሰብኣውነት ወጻኢ ከዕንድሮ ዝጸንሐ ቫይረስ፡ ንኻለኦት ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ እውን ለኺፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስትብሃል ከድሊ እዩ። እቲ ኢሳያሳዊ ቫይረስ ዝጠንቁ ሓማም ከኣ፡ ብሞት ወይ ዓዲ ብምውዓል እቲ ቀንዲ ሕሙም ዘይኮነ፡ እቲ ሕማም ጠሪሱ ካብ ኤርትራ ክውገድ እንከሎ እዩ ናይ ምፍዋሱ ውሕስነት ዝረክብ።
ወዮ ግዜ ሓልዩ ዝመጽእ ዝተመርጸ ወረ መስሪሕካ ምዝርጋሕ፡ ለንቅነ እውን ተቐልቂሉ ኣብ ብዙሓት ማሕበራዊ ሚድያታት ከኹድድ ክንዕዘብ ቀኒና፡ እንተኾነ እቲ ናይ ሓበሬታ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ፡ ምስቲ ዕጽዋ ምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ተደሪቡ፡ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ንብዙሓት ኣጸጊምዎም ኣሎ። “እዚ ግደፍዎ ልሙድ ሽንኮለል 03 እዩ” ኢሎም ገጽ ዘይሃብዎ’ውን ብዙሓት እዮም። “እዋእ ኩሉ ግዜ ሓሚምካ ናይ ምሕዋይ ወይ ሞይትካ ናይ ምትንሳእ ፋስጋ የለን” ስለዚ፡ ኢስያስ ሞይቱ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ቃልሱ ብኸመይ ኢሳያስ ይሞተልና ዘይኮነ፡ ብኸመይ ግደ ህዝቢ ዝበረኸሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝቕለስ፡ ህዝቢ ብዝሓንጸጾ ስርዓትን ዝመረጾ ትካልን ዝምራሓሉ፡ ብናይ ሃገሩ ጸጋ ብማዕረ ዝርበሓሉ፡ እሱራት ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ዝቐርብሉ፡ ሰላምን ልምዓትን ዘውሓሰ፡ ምስ ጉረባብቱ፡ ብሰላምን ናይ ሓባር ረብሓን ዝነብረሉን ስርዓት ምትካል እዩ።
ዝነፈሰ ንፋስ እንተነፈሰ ነዚ መሰረታዊ ዕላማ ቃልሱ ወትሩ ኣጽኒዑ ክሕዞ ይግበኦ። ኢሳያስ ይሙት ወይ ዓዲ ይውዓል እቲ ንሱ ህዝቢ ዝጭቁነሉ ዝነበረ ኣተሓሳስባን መሓውርን ሒዙ ዝመጽእ፥ ወልደሚካኤል ይኹን መሓመድ ወይ ኣብርሃም ፈጺሙ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክፍጠር ዝኽእል ተርኽቦ ተደህሊሉ መሰረታዊ ዕላማን ሽኻልን ቃልሱ ከይስሕት ወትሩ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ክኸውን እውናዊ እዩ።