ኤርትራውያን ብዛዕባ ኢሳያስን ቀይናን ኣተሓሳስባኡን፡ እንታይ ይብሉን እንታይ ይገብሩን በቲ ተግባሩ ዝቕየስ እምበር ንምንኣዱ ኮነ ንምንቃፉ፡ ከም ልበ-ወለድ ዝንገርን ዝድረስን ኣይኮነን። ኢሳያስ ግና ኣብ ማእከል ጐልጐል ክነኣድን ክምጎስን ዝደሊ ዓይኒ ሓሰኻ ዘየብሉ ዕቡይን ስሱዕን ፍጡር እዩ። ሒደት ዘይበሃሉ ኤርትራውያን ካብ ናይ ቅድም ኣነቓቕላኡ ጀሚሮም ብዛዕባኡ ዕቃበን ጥርጣረን ከም ዝነበሮምን ክቓለስዎ ከም ዝጸንሑን ስኑድ እዩ።

ብኣንጻሩ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን ኣብ ግዜ ናጽነትን ኤርትራን፡ ልዕሊ ዝግበኦ ሕሉፍ ሓሊፎም ብግጥምን ዜማን ንኢደሞን ኣመጒሰምዎን። “ወዲ ኣፎም ብርየ፡ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” ተባሂሉ። “ወዲ ኣፎም፡ ኢሱ ….. ወዘተ” ዝብሉ ናይ ቅብጥሮት ኣስማት እውን ኣውጺአምሉ። እንተኾነ እዚ ናእዳን ቅብጥሮትን ንዝተወሰነ ግዜ ሒዝዎ ዝጸንሐ ንላዕሊ ናይ ምንቅዕራር ኣመልካቲ (ግራፍ)፡ ኣቕጣጫኡ ቀይሩ ናብ ቁልቁል ክንቆት፡ ደሓር ከኣ ንሓዋሩ ከምዘይትንስእ መሬት ክዘብጥ ግዜ ኣይወሰደሉን። ሚዛን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢሳያስ ንከንቆቁል፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ውግእ ሓርበኛታት ማይሓባር ዝወሰዶ ጭካነ፡ ኣተገባብራ ግዱድ ውትህድርና፡ ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ዝኣጐዶ ተኽታዂ ውግኣት፡ ሕገመንግስቲ ከይትግበር ብኢደ ወነኑ ምእጋድ፡ ኣካይዳና ሕገመንግስታዊ መልክዕ ይሓዝ ንዝበሉ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ገዳይም ተቓለስቲ ምእሳር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ምእታውን መራሕተን ምእሳርን ምቕታልን ትካላተን ምውራስን፡ ንዝተወሰነ ግዜ መማረጺ ሓበሬታ ሒዘን ክቐርባ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻውን ጋዜተኛታተን ምእሳርን፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ምውጋይን ሎሚ ከኣ እነሆ ህዝብና ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ጨንቂ እናሃለወ ነብሱ ፈትዩ ምሕባእን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዘቃልዕዎ ተግባራት እዮም። እዞም ውትሩ ዝጥቀሱ ኣበሳታት  ኢሳያስን ምምሕዳሩን ነናቶም ንህዝብና ደም ዘንብዑ ዝርዝራት ኣለዉዎም።

ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጸይቅታት ህግዲፍ ምኹናንን ምቅዋምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ነውሪ ዝኾነሉ፡ ብሕገ-መንግስቲ ዝቕለስ ስርዓ-መንግስቲ ንምትካል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ህላወን ንጥፈታትን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ካለኦት ተበግሶታትን ከኣ ነዚ እዩ ዘመልክት። እቲ ኣንጻር ኢሳያስን ጉጅለኡን ናይ ምቅላስ ንቕሎን ተበግሶን ማዕባሊ እምበር፡ በዞም ክሳብ ሕጂ ተጋሂዶም ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ትካላትን ባእታታትን ጥራይ ተደሪቱ ዝግለጽ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ 95 ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ኤርትራውን ነቲ ቃልሲኳ ኣጋይሽ እንተዘይኮኑ፡ ብሓባር ኣብ ጐኒ ህዝቦም ከም ዝስለፉ ምእዋጆም፡ ንኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዓብይ ፍናን ዝህብ እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ንዕርበት ጸሓይ ኢሳያስ ዘቀላጥፍ  እዩ። ከምኡ እውን ነቲ ገለን ብጉርሒ ገለን ድማ ብገርህንፍርሕን ሓሓሊፉ ዝርአ ደገፍ ንኢሳያስ ዝሓክኽ እዩ። እዚ ምሁራዊ ኣበርክተኦም ቀጻሊ ክኸውን ናይ ኩልና ትጽቢት ምዃኑ ምዝኽኻሮም ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ጸረ ህዝቢ ተግባራት ኢሳያስ ከምቲ ንሱ ዝደልዮን ዝሓስቦን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ተሓቢኡ ዝተርፍ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ጽልዋኡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከንጸባርቕ ናይ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ወጻኢ ዓለምና ኩነታት ኤርትራ ክትርዳእን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዲክታቶር ኢሳያስ  ናይ ዓገብ ተጸዕኖኣ ከተሕይል ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለዉን። ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝምጥን ውጽኢትኳ እንተዘይኮነ ሳላ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ዝወርድ ዘሎ ተጽዕኖታት፡ ንኡስ ዝመስል ግና ድማ እንዳማዕበለ ዝኸይድን ቀጻልን እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክከታተላ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዛ ወ/ሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ምምሕዳር ኣቶ ኢሳይስ ብህጹጽ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሕ ዘቕረበኦ መጸዋዕታ ሓላፍነት ዝስመዖ መራሒ ሃገር እየ ንዝብል ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ብጉዳይ ጋዜጠኛታት ዝግደሱ ትካላትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ንጉዳይና ዝህብዎ ዘለዉ ቆላሕታ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ኤርትራዊ ዛዕባ ብቐንዱ ንዓና ንኤርትራውያን ዝምልከትኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለምን ትካላቱን ቦታ ምርካቡ ከኣ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ዘራጊ ተግባራት ኢሳያስ ቀንዲ መንቀሊኡን ምንጩን ደኣ ኣብ ኤርትራ ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ንጐረባትና ዘቕስን ኣይኮነን። ኢሳያስ ንቐልቢ ህዝብናኳ ሎሚ እንደየናይ ከይጥምዝዞ፡  ንቀልቢ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ንምጥምዛዝ ኣብዚ ከባቢና ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምዕግርጋር ጀሚሩ ነይሩ።  ነቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሰርሕ ዝጸንሐ ብሰንኪ ዘይውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛኡ  ዝገደፎ ከባብያዊ ናይ ልምዓት ማሕበር  ኢጋድ ኣፍሪሱ ካልእ ምትእኽኻብ ክፈጥር ተንቀሳቒሱ። እንተኾነ ከምቲ “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ዝበሃል፡ ብዘይካ ነቶም ከምኡ ብዙሕ ዘይተወገነ ዘቤታዊ ጸገማት ዘለዎም መራሕቲ ሶማልን ኢትዮያን ንኻለኦት ከዕግብ ኣይከኣለን። ህዝቢ ሶማልን ኢትዮጵያን እውን ኣካይዳ ኢሳያስ ካብ ቀደሙ ዘራጊ ምዃኑ ስለ ዝርድኡ፡ ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ብዝተፈላለዩ መንገድታት “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኣይትእተወና” ይብልዎ ኣለዉ። ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ 49 ኢትዮጵያውያን ደቂ ኦሮሙ ዶክተራት ብቐጥታ ናብ ኢሳያስ ዝጸሓፍዎ ናይ “ኢድካን እግርኻን ኣክበልና” ደብዳበን እቶም ውሽጡን ውሻጠኡን ዝፈልጡዎ ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከሰምዕዎ ዝጸንሑ ስምዕታን ከኣ ኢሳያስ ኣብ ዘዝኸዶ ይኸስር ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። እታ ዕርክነት ኢሳይስን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን እውን “ሞተት ሰተኾት” ትበሃል ዘላ እያ ትመስል።

እምበኣር ከምቲ “ንነዊት ጨነቖ፡ በቲ ኣርዑት ሓነቖ፡ በቲ ከኣ ዕርፊ ተወቖ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ብዓዲ ኮነ ብግዳም ቀጻልነቱ ትቕምስል እያ ዘላ። ዝያዳ ንክትሓርር ከኣ ሕጂ እውን ዝጽበየና ሓቢርካ ናይ ምጽዳፉ ቀሊል ግና ከኣ ኣገዳሲ ዕማም ኣለና። እዚ ግና፡ ቀንዲ እዋናዊ ቀዳምነትና ህዝብና ብኮሮና ቫይረስ ከይህሰ ምስራሕ ምዃኑ ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

08 ሚያዝያ 2020

ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ንምጽማድ፣ ንገለ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት መስርሕ ዘተ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ክድምደም ተመዲቡ' እንተነበረ፣ ብምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ምክንያት እቲ ዝተሓስበ ዋዕላ ክካየድ ኣይተኻእለን። ይኩን'ምበር ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ' (ኮቪድ -19) ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝርከብ ህዝብና ከውርዶ ዝክእል ብርቱዕ ሓደጋ ብምግንዛብ፡ እቲ ዘተ ክቕጽልን ሓባራዊ ተግባር ክሕወሶን ኣብ ምርድዳእ ከም ተበጽሐ ክንሕብር ንፈቱ። በዚ ምርድዳእ’ዚ መሰረት ድማ፣ ዕለት 1 ሚያዝያ 2020 "ሓባራዊ መልእክቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ" ከምእ’ውን ናብ ዝተፈላለያ ግብረ ስናይ ማሕበራትን፣ ዓለምለኻዊ ናይ ጥዕና ትካል ዳይረክተርን፣ ናብ ኮምሽነር ላዕለዋይ ኮሞሽን ሕቡራት ሃገራት ጉዳያ ስደተኛታትን ሓባራዊ መልእክቲን ከምዝሰደደ ዝዝከርዩ። ቀጻልነት ናይዚ ተብግሶ' ንምርጋግጽን፣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ-19) ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ንምድጋፍን ንምብርታዕን ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳታት ዝተሓጋገዝ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ክቕውም ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ወሲኑ።

እዚ ብዝተፈላለያ ምንቅስቓሳትን ናይ ጥዕና ሞያውያንን ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት፣ እቲ ዝድለ ዕላማ ብግቡእ ንኽረጋገጽ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ክወሃሃድን ክተኣሳሰርን ይግባእ። ድሮ’ኳ እቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ተበጊሱ ዘሎ ወፈራ፣ ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ ምህላዉ ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ ብስድርኡን ብህዝቡን ዘይጭነቕን ዘይሓስብን የሎን። ዓቕሙ ዝፈቕዶ ኣበርክቶ ክገብር ቅሩብ ከም ዘሎ’ውን ኩሉናንግንዘቦ ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ጻዕርና እቲ ተበጊሱ ዘሎ ምስፋሕን ምብርታዕን፣ እቲ ዘይተበገሰ ድማ ከምዝሕወሶ ምስራሕን ክኸውን ለበዋና ነመሓላልፍ።

ጥዕና ህዝብና ንምሕላው ንተዓጠቕ !

ናጻ ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር! 

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)
  5. ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ውሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብዘይተሓስበ ቅልጣፈ ተላቢዑ ዘሎ፣ ብኮቪድ19 ዝፍለጥ ሕማም፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ሂወት ደቂሰባት ኣውሪዲዎ ዘሎ ቅዝፈትን ኣብ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሃገራት ኣስዒብዎ ዘሎ ክሳራታታትን ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ ዓለም ናብ ሓንቲ ጸባብ ቁሸት ተሳጊራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ክፍለዓለም ናብ ክፍለዓለም ብዘሰንብድ ፍጥነት ብምልባዑ፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ን203 ሃገራትን ግዝኣታትን ዓለም ለቢዱ፡ 42,528 ህይወት ከኣ ወሲዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ክቡር ህዝብና በዚ መልእኽቲ’ዚ ኣቢልና፣ ኩነታትካ ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ኣውዲቑና ምህላዉ ብምሕባር፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምብዳህ ዝከኣለና ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸልካ። 

ሃገርና ኤርትራውን፡ ከም ኩለን ሃገራት፡ ካብዚ ሕማቕ ማዕበል' ከተምልጥ ኣይኮነትን። ብዛዕባ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ቁጽሪ ዜጋታት ድሮ 15 በጺሑ ኣሎ። እዚ ቁጽሪ' ክሳብ ሕጂ ብመርመራ ዝተረጋገጸ ቁጽሪ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ግን ካብኡ ዝበዝሐ ክኸውን ከምዝኽእል፣ ካብ ተርእዮ ናይ’ተን በዚ መድረኽ ዝሓለፋ ሃገራት ክግመት ይከኣል ኢዩ። ኣብ መጻኢ እዋን እናሰፍሐ ከምዝኸይድ'ውን ባህሪ ናይዚ ሕማም' ዝሕብሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ቁጠባዊን ተክኖሎጅያዊን ምዕባሌ ሃገረ ኤርትራ ትሑት ብምዃኑ፡ ዘመናዊ ናይ ኢንተርነትን ናይ ተለፎንን መራኸቢታት ኣጸቢቑ ድኹም ኢዩ። እዚ ድማ ቅልጡፍ ሓበሬታት ንምምሕልላፍን ስሉጥ ረዲኤት ንምርካብን ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ዜጋታት ብብዝሒ ዝእከብሉን ዝነብርሉን፡ ከም ናይ ትምህርትን መዓለሚን መደበር ሳዋን፡ ብኣማእታት ዝቁጸሩ ኣብያተ ማእሰርትን፡ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ19  ዝተቓልዑ ቦታታት እዮም። መነባብሮ ሰራዊትን "ሃገራዊ ኣገልግሎትን" እውን ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ሕማም' ዝተሳጥሐ ኢዩ። 

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይዝርጋሕ ንምዕጋት ዝሕግዙ፡ ከም ሳሙና፡ ጓንቲ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝኣመስሉ ኣገደስቲ ናይ ጽርየት ሃለኽቲ ኣቕሑ ኣብ ዕደጋ ኣይርከቡን። ኣይግበሮ'ምበር እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ሃገርና እንተተዘርጊሑ ንምግጣሙ ዘድሊ ዓቐንን ዓይነትን ናይ ሰብን መሳርሒታትን ዓቕሚ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ  

እቲ ለበዳ ከየሰፋሕፍሕ ንምክልኻል ክውሰድ ዝግባእ ተበግሶታት ዝያዳ ክብርትዕ ኣለዎ። እቲ ክስዕብ ዝኽእል ኣብ እንተታት ዝምርኰስ ሳዕቤናት ንምብዳህ ድማ ዘድሊ ምቅርራባት ኣቐዲሙ ክማላእ ይግባእ። ነዚ ብዝምልከት፦   

  • ካብዚ ተላባዒ ሕማም ገንዘባዊ መኽሰብ ንምርካብን፡ ህዝብና ነዚ ሓደገኛ ሃለዋት ንምግጣም ዘርእዮ ተወፋይነት ንምምዝማዝን፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ወፈራ፡ ህዝብና ሕጂውን ከይግራህን፡ ክጥንቀቕን፡ እናተሓሳሰብና፡ ማዕረ ሓደጋ ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ምንቅስቓስ ጥራሕ ከካይድ ነተባብዕ፤
  • እዚ ንእሱራትን ኣሰርቶምን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኤርትራውያን እሱራት ብቐጥታ ዘንጸልላዎም ዘሎ ሓደጋ ብምዃኑ፡ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፡ ኣብ ሳዋን ግዴታዊ ኣገልግሎትን ተኣኪቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ተለቒቆም ናብ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ቃልስታት ክካየድ ንጽውዕ፤
  • ኣብ ባንክታት ኤርትራ፡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከተውጽኡ ኣይትኽእሉን ብማለት ተኣሲሩ ዘሎ ገንዘብ ኤርትራውያን፡ ብመሰረት ድሌት ዋናታቱ ክፍታሕ፣ ናይ ወርቂ፡ ናይ ፖታሽ፡ ናይ ወደባት እቶት፡ ከምኡውን ካብ ሃገራት ዓረብ ብሚልዮናት ዝተለገሰ ሓገዛት፡ ናብ ምክልኻል ናይዚ ተላባዒ ሕማም ንኽውዕል ህዝብን ሰራዊትን ተጽዕኖታቱ ከበርትዕ ንጠልብ፤
  • ናይ ጥዕና ክኢላታትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብምውህሃድ፡ ነቲ ለበዳ ክከታተሉን ክቆጻጸሩን ዘኽእል ባይታ ከንጽፉ፡ ነዚ ሕማም ብዝምልከት ጽዑቕ ናይ ትምህርቲ መደብ ከዳልዉን ከተግብርዎን፡ ከምኡውን ሓባራዊ ናይ ህጹጽ መኸተ ወፍሪ ከካይዱ ንጽውዕ፤
  • ሓካይምን ናይ ጥዕና ሞያውያንን ነቲ እንተታት ብትብዓት ንምብዳህ ዘድልዮም ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብቲ ዝለዓለ መከላኸልን መሳርሕን ኣቐዲሙ ንኽዳሎ መደባት ብምስራዕ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ክነጥፉሉ ነተባብዕ። ኣብ ተሞክሮ ሃገራት ይረአ ከምዘሎ፡ ነዚ ለበዳ' ንምግጣም ዝሓተት ዓቕምን ሃብትን ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተሳትፎኦም ከበርክቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ክኢላታት፡ እምነቶምን ፖሊቲካዊ ዝንባሌታቶምን ብዘየገድስ፡ ክተሓባበሩን ተሞክሮ ክለዋወጡን ነተባብዕ፤

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ፡ እዚ ተላባዒ ሕማም ክሳብ ክንደይ ኣሰንባዲ ከም ምዃኑ መጠን፡ ማዕሪኡ ከኣ ህዝብና፡ ዝግባኦ ጥንቃቐታት ከዘውትር እናጸዋዕና፡  ክቡር ህዝብና፡ ምስ ኩሉ ሓደጋታታት ናይዚ ለበዳ፡ ነዚውን ከም’ቶም ኣቐዲምካ ዝገጠምካዮም ሽግራት፡ ብሓድነት፡ ብትብዓትን ተወፋይነትን፡ ክትሰግሮ ከም ዝኾንካ ንተኣማመን ኢና። ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ጐድንኻ ምህላውና ድማ ነረጋግጸልካ።

እዚ ዶባትን ደረታትን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብናውን ብብርቱዕ ሻቕሎት ከቢብዎ ከምዘሎ እናተገንዘብና፡ ነዚ ጽንኩር ኩነታት፡ ብጽንዓት፡ ሓድነቱ ኣትሪሩን ጥንቃቐ ተሓንጊጡን ከም  ዝምክቶ እምነትና እዩ። ብወገንና ከኣ ንኩሎም እቶም ስደተኛታትና ኣዕቊቦም ዘለዉ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣድላዪ ቆላሕታን ምክልኻልን ንከበርክቱ፡ ኩሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ከም እነካይድ ነረጋግጽ።

ጥዕና ህዝብና ንምሕላው ንተዓጠቕ!

ኤርትራ ብነጻነታ ተኸቢራ ንዘልኣለም ትንበር!

 

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)                                
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)                      
  4. ውድብ ሓድነት ሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)   
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) 

 

ኤርትራውያን ኣብ ፈታኒ ቀራና መንገዲ ካብ እንኣቱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝመጻእናዮ መንገዲ ኩሉ ሳላ ተስፋ ዘይምቑራጽና ዝተሰግረ እምበር ኩርኳሕ ዘይተፈልዮ እዩ ነይሩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን። ነቲ ኩሉ ሰጊርና ክንበጽሖ እንምነዮ ህይወት ከኣ ጌና ኣይበጻሕናዮን።

ኣብዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ጉዕዞና እቲ ብደሆ፡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ፡ ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን መሰል ምስኣን፡ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ፡ ኣብ ፍጹም ኢደወነናዊ ምልክን ኣርዑት ምውዳቕ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዘይምህላው፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ምእታው ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑ። ነዚ ኩነታት እዚ ብቃልሲ ስዒርና ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ከኣ መላእ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ጸኒሑን ኣሎ። እዚ ከም ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ ብደሆ፡ ምስ ናይ ካለኦት በዚ ንሕና ንሓልፎ ዘለና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉን ስዒረምዎ ኣብ ዓወት ዝበጽሑን ተመሳሳልነትኳ እንተለዎ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ኣብ ኤርትራ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ።

ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ እነሆ ሎሚ ካልእ መላእ ዓለም ዘንቀጥቅጥ ብደሆ ተደሪቡና። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስቲ ምሳና ዝጸንሐ ኤርትራዊ ጸገም ነናቶም መንቀሊ፡ ኣተሓሕዛን ምምሕዳር ዘለዎም ኮይኖም፡ ኣይጸላለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ክሓልፎ ዝጸንሐ ኣሻኹ ህይወት፡ እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ሕማም ዝያዳ ሃሳዪ ንክኸውን ባይታ ዝምድምደሉ እዩ። እዚ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ነተን ብኹሉ መለክዒ “ከኣልቲ ኩሉ ኢና” ኢለን፡ ናይ  መሬት ወዴን ኣብ ናይ ህዋ ውድድር ኣትየን ዝነበራ ሃገራት፡ ክሳብ ክንዲዚ ከፍረሐን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ከም ህዝብና ዝኣመሰለ ብብዙሕ ናይ ወጽዓ ቀጸላታት ክሳቐ ዝጸንሐ ከውርዶ ዝኽእል ማህሰይቲ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህዝብና ከምቲ ዝተገልጸ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ሓድሽ ናይ ሻቕሎት ምዕራፍ፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን ኣብ ዝለዓለ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ዝጸንሐ እዩ። እቲ  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣቐዲሙ እውን ንብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ከሻቕል ዝጸንሐ፡ ስእነት ጽሩይ ማይ፡ ስእነት ሓይሊ መብራህትን ስእነት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዕዳጋን ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ምስዚ ዓለም ለኻዊ ሓደጋ ተጐዝጒዙ ንህዝብና ከም ዝሃስዮ ምስትብሃል ኣድላዪ እዩ። ዓቕሚ ትካላትን ክኢላታትን ጥዕና ኣብ ኤርትራ እውን ካልእ ዘየቕስን ጉዳይ እዩ። እዚ ሕጽረት እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ከምብሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወትሩ ርኡይ ናይ ምሕባእ ኣመል ዘለዎ ጉጅለ ህግዲፍ እውን ብዘይካ “ክንድዚ ዝኾኑ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም” ዝብል መጻኢ መዋጸኦ ዘይእምት ቁርጽራጽ ሓበሬታ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ንምስጋር ከለዓዕልን ኣፍ ኣውጺኡ ሓገዝ ክሓትትን ኣይስማዕን። ወያ “ምምሕዳር ህግዲፍ  ሓገዝ መፈወሲ መሳርሕታ ኣይቅበልን ኢሉ” እትብል ሓበሬታ እውን ፈኸም ትብል ኣላ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ምጽቃጥን ካብታ ዝርካባ ሚድያኡ ምሕባእን ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ምናልባት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታት፡ ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ነብስና ስለ እንኽእል ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ” ኢሉ ከይሕክል ዘየስግእ ኣይኮነን።

እምበኣር እዚ ጉዳይዚ፡ ናብቲ ካብ ቀደሙ እውን ዝቐበጽናዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝገበረ ይግበር ኢልካ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን በቲ ልሙድ ልግስና ክንተሓጋገዝ ይግበኣና። ሓቂ እዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህግዲፍ ንኹሉ ብገዛእ ብገንዘቡ ናይ ምጥቃም መሰሉ ገዲቡ ስለ ዘድከዮ፡ ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ንዕዘቦ ዘለና ርኹባት ዝበሃሉ ወገናት ነብሶም ክኢሎም ንዜጋኦም ክሕግዙ ኣይክእሉን እዮም። ምናልባት እውን ብውሱን ዓቕሞም ሓገዝ እንተገበሩ “ካበይ ኣምጺእኩም ትሕግዙ ኣለኹም” ከይበሃሉ ዘይሰግእሉ ምኽንያት የብሎምን። ብዝኾነ ግና ዋላ እውን ንእሽቶ ትኹን፡ ንጐረቤትካን ኤርትራዊ ወገንካን ካብታ ዘላትካ ናይ ምክፋል ባህልና ሎሚ ኣብዚ ወሳኒ ኩነታት ከነዘውትሮ እዋኑ እዩ። ከምቲ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፡ ዋላ ደም ትተሓለበልካ” ዝበሃል፡ ተስፋ እውን የዕንግል እዩ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ሓሊፉ እንጸውየሉ እዋን ክመጽእ እዩ እሞ “ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” ከም ዝበሃል ልግሲ እንዳሓደረ ዘሕጉሰና ተግባር ምዃኑ ኣይንረስዕ።

ብዘይካዚ እዚ ከቢድ ጸገም ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካተን ንህግዲፍ ምጽብባቕ  ዝሓዳረን፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጠን ሚድያታት፡ ህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ዘበናዊ ሚድያ የብሉን። ሓበሬታ ቀንዲ መከላኸሊ ናይዚ ሓደገኛ ሕማም ኮይኑ ከም ዘሎ ከኣ፡ ከካብ ገዛእ ርእስና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ስለዚ እቶም ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለዉ ንጡፋት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ፡ ብቐጻሊ ንህዝብና ሓበሬታ ከስንቑ ይግበኦም። ህዝብና ከኣ ነቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዘለዎ ዓቕሚ ከይነዓቐን በቲ ተጻዒንዎ ዝጸንሐ ጸገም ከየማረረን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ይግበኦ። ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ደጋጊሙ ናይ ምሕጻብ ጸገም ከም ዘጋጥሞኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተረሓሒቕካ ምኻድን ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ግና ንህግዲፍ ዘይጽበየሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ከተግብሮ ይግበኦ። ስነስርዓት ጸሎትን ካልእ ተኣኪብካ ዝዝውተር ባህላዊ ጉዳያት እውን ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከዘውትር ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ይገደሰሉ።

ክቡር ኣቶ ፊሊፖ ግራርዲ - ኮምሽነር ላዕላዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ጀነቫ

ክቡር ዶ/ር ተድሮስ ኣድሓኖም - ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጠቕላሊ - ጀነቫ

ቅዳሕ፡-

ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት

ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቆብቲ ሃገራት

31 መጋቢት 2020

ጉዳይ፡-

ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዉ ኤርትራውያን ጸረ-መቕዘፍቲ ኮሮና ቫይሩስ ንምክልኻል ዝዓለመ ምሕጽንታ

ክቡር ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲ

ክቡር ጠቕላሊ ዲረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር. ተድሮስ ኣድሓኖም

 ንሕና፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ስደት እንውክል፣ ናብ ክብርነትኩም ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዚ ኣገዳሲ ምሕጽንታ ከነቕርበልኩም ከለና ሓላፍነትና ምዃኑ ብግቡእ ብምግንዛብ እዩ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዝና፡ ናይ’ዚ ምሕጽንታ’ዚ ቅዳሓት ከኣ ነተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕበን ዘለዋ ሃገራትን ከምኡ’ውን ዝምልከተን ሕቡራት ሃገራት ኣካላትን፣ ብፍላይ ድማ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤልን ሊብያን ክወሃብ ምኑ ከነፍልጥ ንፈቱ። እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ሃለዋት ናይ’ዞም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተበቲኖም ዝተፈላለየ ወጽዓታት ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣቓልቦን ቆላሕታን ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ንምርካብ ዝዓለመ ኢዩ።

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

እዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 (ኮሮና  ሩስ) ዝላባዕ ዘሎ ሕማም’ዚ፣ ናብ’ተን ብግጭታት ዝሳቐያ ዘለዋን ኣብ ተነካኢ ዝዀነ ክፍለ-ዓለም ዝርከባ፣ ነዚ ናይ ኮሮና ቫይሩስ ለበዳ ንምግጣም ዘይተቐረባ፣ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት ድሮ እቲ ለበዳ በጺሕወን ኣሎ። እዚ ኲነታት ኮሮና ቫይሩስ ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ማሕበራዊ ነውጺ ዘለዎ ቦታታት ምዃኑ ከኣ ብምስትውዓል፡ ብዙሓት ካብ ህዝብና ድማ እቲ ቀንድን መሰረታውን ባእታ ዝዀነ መከላኸሊ ናይ’ዚ ሕማም’ዚ ኢድ ምሕጻብ ብምዃኑ፣ ኢድ መሕጸቢ ዝዀኑ መሳለጢታት ከም ማይ ኮነ ሳምና ናይ ምርካብ ዘለዎም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ፣ በዚ ተላባዒ ሕማም’ዚ ምኽንያት ክቕዘፉ ዘሎ ተኽእሎታት ሰፊሕ ብምዃኑ፣ ንና ኣዝዩ የሰክፈናን የተሓሳስበና’ዩ። ብምዃኑ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ኣብ ግዜኡ ህጹጽ ኣትኩሮ ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መታን ክረክብ ብሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ሰብ-መዝን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተመሪሑን ተወሃሂዱን ዕቱብ ተበግሶ ክውሰድ ኣትሪርና ንምሕጸን

ብእምነትና ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጸገማት ብዙሕ መንእሰያዊ ሓይሊ ካብ ህዝብና፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኣረጋውያንን ኣብ ተኣፋፍን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ንድሕሪት ገዲፎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከም ዘምርሑ ካባኻትኩም ዝተኸወለ እዩ ኣይንብልን። ብካልእ ወገን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ነቶም ንድኹማት ሓገዝ ክህቡ ዝጸንሑ ግብረ-ሰናይን ሃይማኖታ ትካላትን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ትካላትን ኩሎም ኰነ ተባሂሉ ብመደብ እቲ ዘሎ መንግስቲ ኣፈራሪስዎም ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታት ካብ ዘቋርጹ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሮም እዮም።  

 ክቡራት ኣህጉራውያን ሰብ-መዚ!

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ኲነታት ተዳኺሙን ነብሱ ክሕግዘሉ ዝኽእል ኲነታት ከም ዘየብሉን ርኡይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ። ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ፣ እቲ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ካብ 300 ንላዕሊ ዝኸውን ቤት ማእሰርትታት ኣብ ልዕሊ ብጻዕቂ እሱራት ኣዕለቕሊቑ ተጸፋጺፉ መሊኡ ምህላዉ ነዚ ሓደገኛ ዝዀነ ለበዳ’ዚ ክከላኸል ዝኽእል ዓቕምን መሳርሕን የብሉን። እቲ ብስም “ሃገራዊ ኣገልግሎትን” ግፋን ዝእከብ ዘሎ ናይ ባርነት ስራሕ ዝሰርሕን፣ ገዚፍ ኣሃዱታት ሰራዊት እንተዀነ’ውን ኣዝዩ ጻዕቂ ኣብ ዘለዎ “መደበራት” ስለ ዝነብር ነዚ ለበዳ ሕማም’ዚ ንኽላባዕ ክፉት ዕድል ዝህብ ኲነታት እዩ ዘሎ።  

በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ኣብ ናይ መዕቆቢ “መደበራትን” ኣብ ከተማታት ዝርከቡ መዕቆቢታትን ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ስሉጥ ኣህጉራዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ተዋሳእቲ ብተግባር ዝንቀሳቐሱ እንተዘሃልዮም፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ’ዚ ለበዳ’ዚ ክኾንሉ ዝኽእሉ ዕድላት ዓቢ እዩ። ኣብ መደበር ስደተኛታትን ግዝያዊ መዕቆቢታትን ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምቕባል መስርሕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንተላይ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ እተን ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት ብተገዳስነት እንተደኣ ብዝምልከቶም ኣካላትብፍላይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ሰብ-መዚ፡ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝን ምኽርን ዘይተሓዊስዎ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ኮሮና ቫይሩስ ኰይኖም ንሓደጋ ክሳጥሑ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ክንገልጽ ንፈቱ

ብምዃኑ እምበኣር ኮቪድ-19 ናብ ኤርትራ ከይላባዕ ንምክልኻል፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርአ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝነብርሉ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ብጻዕቂ ዝቕመጥሉ ኲነታት ስለ ዘሎን፣ ሓደጋ ኮሮና ቫይሩስ ከይዝርጋሕ ንምክልኻል፣ ኣትሪርና ክንብሎ እንደሊ ነገር እንተሎ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱ ብፍላይ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ንምሕጸን፡-  

  • ኣብ’ዘን ኤርትራውያን ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ቦታታት እኩል ናይ ክንክን ጥዕና ማእከላት እኹል ቀረባት ናይ ማይ፡ መሕጸቢ ሳምናታት፡ ጸረ-ለኽፊ ዝዀኑ ፈሰስቲ፡ “ጓንቲ”፡ መሸፈኒ ኣፍን ንጽርየት ዘገልግሉ ወረቓቕትን ከም ዝህሉ ምግባር፣
  • እቶም ቦታዊ ናይ ክንክን ጥዕና መርበባትን ትካላትን በዚ እከይን ሓደገኛ ኮሮና ቫይሩስ ዝተለኽፉን ዘይተለኽፉን መፍለጢ ዝኸውን ናይ መመርመሪ ናውትን መሳለጢታትን ከም ዝህልዎም ምርግጋጽ፣
  • ኣህጉራዊ ግብረ-ሰናይ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ መደበር ስደተኛታትን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ዚ ሓደገኛ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መቕዘፍቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምድሓን ዝከኣሎም ክገብሩ፣

ዝኸበርኩም ሰብ-መዚ

ብእምነትና ትሕዝቶ እዚ እነቕርበልኩም ዘለና ኣገዳስን ሕልኽልኽ ዝመልኦ ኲነታት ናይ’ዞም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ኣብ ውሽጥ ሃገር ከምኡ’ውን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጥዩ ዘሎ ለበዳ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ትርድእዎ ኢኹም ኢልና ንኣምን።

ኣኽበርትኹም፡-

(ኣቦ-መንበራት

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ሓደለ)
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍት (ሓኤፍ)
  6. ሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)

ኣብዚ እዋንዚ  ኮቪን-19 ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ትካል ጥዕና ዓለም ዝለዓለ ደረጃ “ዓለም ለኻዊ ተላባዒ” ካብ ዝበሃል ንነጀው ናይ ኩልና ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ዋላኳ ኣብ ቅድሚ መላእ ዓለም ኣዛራቢ ተላባዒ ሕማም ክፍጠር እዚ ናይ መጀመርታ እንተዘይኮነ፡ ከም ኮሮና ብሓንሳብ ዓለም ዘንቀጥቀጠን ዘናወጸን ኣየጋጠመን ዝብሉ ብዙሓት እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ምጣነ-ሃብታውን ካልእ መወዳደሪ መዳያትን ገዲፍካ፡ ከም ፍጡር ሰብ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ብምዃኑ እዩ። ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ብ23 መጋቢት 2020 “ንመጀምርያ ግዜ ሓደ ሰብ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ከም ዝተታሕዘ ጸብጻብ ምስ ቀረበ፡ እቲ ቁጽሪ 100 ሺሕ ንክበጽሕ 67 መዓልታት ወሲድሉ። እቶም ቀጺሎም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ 100 ሺሕ ሰባት ኣብ 11 መዓልታት ተታዝሒዞም። ድሕሪኡ ዝተታሕዙ ካለኦት 100 ሺሕ ሰባት ከኣ ኣብ 4 መዓልታት ጥራይ እዮም ተለኺፎም።”  ዝበልዎ፡ እቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ ግዜ ዘይህብ ቅልጡፍ ተላባዒ ምዃኑ የረድእ።

ብሰንክዚ ቀዛፊ፡ ዘይተጸበናዮ፡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ተላባዒ ሕማም ብምዃኑ፡ ክንድዚ ሓሚሞም ክንድዚ ሞይቶም ኢልካ ኣሃዝ ክትጠቅስ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን። ንኣብነት ክሳብ ንግሆ 24 መጋቢት 2020 ብዝሒ በዚ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት 378,912፡ ቁጽሪ ዝመቱ 16,515 ቁጽሪ ተታሒዞምስ ዝሓወዩ ከኣ 102,069 ነይሩ። እዚ ኣሃዝዚ እዚ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ዝወጽእ ክሳብ ክንደይ ኣብ ተዓጻጻፊ ደረጃ በጺሕ ከም ዝኸውን ምግማት ኣየጽግምን። እዚ ሕማም ኣብ መዳይ ጥዕና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኹሉ ዕቤተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስረዓ፡ ኩሉ ክገብራ ከም ዝኽእላ እምነት ኣብ ዝተነብረለን ሃገራት በዓል፡ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ስፐይን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦትን ዝኸፈአ ጉድኣት ምውራዱ፡ ኣብ ልዕሊተን ንሃገርና ኤርትራ ወሲኽካ ናይዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ሃገራት ኢድ ዝጽበያ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ፡  ምምሕዳራዊ ጽፈትን ዝርጋሐ ትሕተ ቅርጻን ዝጐድለን ወይ ዘየብለን ተጽዕኖኡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን። “ናይዚ ሕማም ፈውሲ እንታይ እዩ? መዓስ እዩኸ ዝምከት?” ኢልካ ሓቲትካ፡  መልሲ ዘይትረኽበሉ ምዃኑ ከኣ፡ ዝያዳ የሻቕል። እዚ ሕማምዚ ምስተመከተ እውን፡ ስንብራቱ ብቐሊሉ ከም ዘይሓዊ ድሮ ብዙሓት ኣርሒቖም ዝጥምቱ ክኢላታት ይግምቱ ኣለዉ።

ካብ ምልክታት ናይዚ ሕማም፡ ብርቱዕ ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓል፡ ሕጽረት ትንፋስ ምዃኑ ብኽኢላታት ይንገረና ኣሎ። እዚ ምልክታት እዚ ናይ ካለኦት ምሳና ዝጸንሑ ሕማማት ምልክት እውን ስለ ዝኾነ ምልላዩ ኣጸጋሚ እዩ። መፈወሲኡ ክታበት፡ ከኒና ወይ መርፍእ ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን። ኣብ ክንድኡ፡ ጽሬት ኣእዳው ምሕላው፡ ኣብ ሕድሕድካ ምርሕሓቕ፡ ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ከተህንጥስ እንከለኻ ኣፍንጫኻ ምኽዳንን ከም ዝኾኑ እውን ብፈላጣት ናይዚ ዛዕባ ይንገረና ኣሎ። እዚ ነቶም በእዳውካ ሰላም ምብህሃልን ምስዕዓምን፡ ሓቢርካ ምብላዕን ምስታይን፡ ሓቢርካ ምጉዓዝን ሓቢርካ ምጽላይን ኣካል ባህልናን እምነትናን ዝኾነ ክሳብ ክንደይ ምልማዱ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ቁጠማዊ ዓቕምና ድኹም ምዃኑ እውን ኣብ ምትግባር እዚ መጠንቀቕታ ሓጋዚ ኣይኮነን።

እምበኣር ወያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ልዕልና፡ ቁጠባዊ ጸብለትነትን ማሕበራዊ ብልጫን ንምጭባጥ ክትወዳደር ዝጸንሐት ዓለምና፡ እነሆ ሎሚ ንብመለኣ ኣብ ዝምልከት ናይ ከም ፍጡር ምህላውን ዘይምህላውን ብደሆ የፋጥጠላ ኣሎ። ወዮ ከም ዋዛ፡ ንሓንሳብ “ግዜ 3ይ ውግእ ዓለም ከጋጥም እዩ፡” ወይ ድማ “ምጽኣት ዓለም ኣኺሉ እዩ፡” ክበሃል ዝጸንሐ “እዋእ ወዮ ዝተፈርሐስ ኮይኑ ግዲ” ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና።

እዚ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ማሕበራዊ ቀዛፍነቱ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት መራሒ ኣሜሪካ ነዚ ሕማም ኣንጻር ኩሉ ዝተኸፍተ ዓለምለኻዊ ሓያል ውግእ ክነሱ፡ ናይ ቻይና ሕማም ቫይረስ ክብሎ ምፍታኑ እዚ ዛዕባዚውን ኣካል ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ልዕልናኻ ምርግጋጽ ውድድር ይኸውን ኣሎ ዘስምዕ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን በቲ ዘይምሕር ቫይረስ ህግዲፍ ክንሳቐ ዝጸናሕናን ካብዚ ስቓይዚ ክንወጽእ እንቃለስ ዘለናን ኢና። ብሰንክቲ ህግዲፋዊ ቫይርስ ከም ሃገርን ህዝብን ህልውናና ከይጠፍእ ስግኣት ጸኒሑና። ሎሚ ከኣ እነሆ ከምቲ፡ ድምጻዊ ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ካብ ሕማቕ ናብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ተሰጋጊርና፡ ከም ህዝቢ ከይንበርስ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ ሓደጋ ኣለና። ነቲ ንጭቆና ህግዲፋዊ ቫይረስ ሓንጐፋይ ኢልና ዘይተቐቢልናዮ፡ ንኮሮና እውን “ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ገዓት” ኢልና ከይረዓምና ብዘለና ዓቕሚ ክንቃለሶ ይግበኣና።

እዚ ዘለናዮ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንሕና ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዕቤትን ዘይርጉእ ኩነታትን እንርከብ፡ ነቶም “ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ከኣልቲ ኩሉ” ክበሃሉ ዝጸንሑ ኣካላት እውን ኣዋጢሩ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ፈታኒ ኩነታት ክንገብሮ ዝግበኣና፡ እቶም ዝሓሸ ናይ ምምርማር ዓቕምን ኣፍልጦን ዘለዎም ኣካላት ዝህብዎ ምኽርን ምዕዶን ምቕባልን ምትግባርን እዩ። እቶም ብሰንኪ ገፋዒ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብ ሃገሮም ንህዝቦም ናይ ምግልጋል ዕድል ተነፊግዎም ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ክኢላታት ከካብ ዘለዉዎ ኩርናዕ ንህዝብና በብቋንቋኡ ብምስትምሃር ዜግነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ይግበኦም። ንሓ እውን ንጽወዖም። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ተለቪዥን ኣሰና ቀሪቦም ብዛዕባዚ መብርሂ ክህቡ ዝተዓዘብናዮም ኤርትራውያን ክኢላታት ተግባሮም ኣብነታዊ እዩ እሞ ንሳቶም ክቕጽልዎ፡ ካልኦት እውን ክስዕብዎ ዝግባእ እዩ። ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት እውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብቐጥታ ሓበሬታ ንምርካብ ዘይተዓደለ ህዝብና ኣብ ምክትታሉ ክሰርሓ ይግበአን። ኤርትራውያን ኩልና ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ምቑራጽ፡ እዚ ለበዳዚ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ  ዝበልዑ በሊዖም ከም ዝሓልፉ ለበዳታት፡ ከም ዝሓልፍ ተስፋ ክንሰንቕ እምበር፡ ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግበኣናን።

ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ካብ ዝስሕብ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ውዱእ መርገጽ ክሕዝ ዝተገደደሉ ምኽንያት ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕመረቱ፡ ህግዲፍ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር፡ ቃሉ ዘየኽብርን ሕድሪ ሰማእታት ዝጠልምን ብምዃኑ እዩ።

ህግዲፍ ቃል ዝኣተወሎም እሞ ዝጠለሞም መብጸዓታት ካብ ምዝርዛር “ዋላ ሓንቲ ዘኽበሮ ቃል የለን” ኢልካ ምድምዳም ከም ዝቐልል ርዱእ እዩ። ምናልባት ሓደሓደ መዘኻኸሪ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ንኤርትራ ኣብ ቁጠባ ከም ሲንጋፖር ከዕብያ እየ ኢሉ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ተጃሂሩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ ከም ዝኸውን ተጠሊዑ ኣዊጁ። ዘመናውን ምዕቡል ሕርሻ ከተኣታቱ እየ እንዳበለ፡ ናይ ክንደይ ሓረስቶት ስቡሕ መሬት መንዚዑ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናጻ ገንዘባዊ ዞና ከተኣታቱ እየ ኢሉ። ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከተኣታቱ እየ ኢሉ ኢሉ ከብቅዕ፡ ነቲ ሓደ ሰነድ ከባኽን፡ ንምንዳፍ ሓድሽ ሕገመንግስታዊ ሰነድ ዘይትግበር ቃል ኣትዩ። በመሰረት ዓለም ለኻዊ ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ወሰን ክጥርር እየ ኢሉ ከምዘይፈከረ፡ ሎሚ ቃሉ ዓጺፉን መብጸዓኡ ጠሊሙን፡ ነዚ ዛዕባዚ ንዘልዕሉ ወገናት “ዘረግቲ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እዮም” ኢሉ ይውንጅሎምን የፈራርሖምን ኣሎ። ቦንድ ግዝኡ እሞ፡ ኣብ ኤርትራ መስርሒ ኣባይቲ ዝኸውን መሬት ክትወስዱ ኢኹም ኢልዎም ከብቅዕ፡ ዝጠለሞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ንህግዲፍ ኣሚኖም ማይ ሓቚኖም ዝተረፉን ዘቑረምርሙ ዘለዉን ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ጉዳይ ግዱድ ክፍሊት 2% ከኣ ኩልና ዘይንዝንገዖ  ዘይምኽኑይ ራስያ እዩ።

ሎሚ ንኤርትራና ክንዕዘባ እንከለና፡ ክልተ ሻብ ተራእያ፡ ግዳይ ጥልመት ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መብጸዓታት ህግዲፍ ኮይና ከምዘላ ምርዳእ ዘጸገም ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናብ ባርነት ዝማዕበለን ሓደ ካብ ጠንቅታት ስደት ዝኾነን መውዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ህያው ኣሎ፡ ቁጠባዊ ውድቀት ኤርትራ ከምዚ እዩ ኢልካ ክትገልጾ ኣብ ዘጸግም፡ ኣዝዩ  ዝተሓተ ደረጃ ተነቚቱ ኣሎ፡ ፍልሰት ኤርትራዊ ሓደ ካብ ናይ ዓለምና ናይ ስግኣት ዛዕባታት እዩ፡ ከም መርኣያ ብኩራት ኩሉ መንግስታዊ ትካላት ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-መላኺ ወዲቑ፡ ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ሳዕሪሮም ከም ዘለዉ ኢና እንርዳእ። ህግዲፍ ሕሉፍ ሓሊፉ ነዚ ጥልመታቱ ኣዝዩ ብዘራጉድ ደረጃ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ናብ ምውዳቕ ይመጣጠር ኣሎ። እዚ ሕዱር ሕልሙን ናይ ነዊሕ ግዜ ጉርሕን ሸርሕን እምበር፡ ናይ ግርህነት ከምዘይኮነ ብዙሓት ይምስክሩ ኣለዉ።

ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ መርዛም ናይ ጥልመት ተግባራቱ ከቃምም ነዊሕ ግዜ ወሲድሉ። እዚ ዘለናሉ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት በዳህቲ ፈተነታት ዘለዉዎ፡ ግዜዚ ንህግዲፍ ዝባኸነ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ንሱ ህዝቢ እንዳደሃኸ፡ ነቲ ግዜ ዝደልዮ እዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ነቶም ኤርትራ ልኡላዊት፡ ብልጽግቲ፡ ሰላማዊት፡ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ክትከውን እንብህግን ምእንታኡ እንቃለስ ዘለናን ግና ዝባኸነ ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ህግዲፍ ተቓሊስና ከነድመዓሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ክነሱ፡  ውጽኢት ቃልስና ትሕቲ ትጽቢትና ብምዃኑ። ሎሚ ነዚ ህግዲፍ ብሓሶትን ጥልመትን ክዕንድረሉ ዝጸንሐ ግዜ እንመሃረሉ እምበር፡ ንድሕሪት ኣይንመልሶን ኢና። ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ ግዜ ከይነባኽን ግና ክንሰርሕ ይግበኣና። ህዝቢ ኤርትራ እውን ወዮ መዕንደሪ ጥልመት ህግዲፍ ኮይኑስ፡ ከምቲ “ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ኣይኣምኖን” ዝበሃል፡ ድሕሪ ሕጂ ብናይ ህግዲፍ ዘይትግበር መብጸዓ ክዕሸውዩ ዝብል ግምት የብልናን።

እዚ እተጠቕሰ ህግዲፍ ዓይንና እንዳረኣየ እዝንና እንዳሰመዐ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጥልመት እዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ተሓቢኡ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናትን ውዲታትን እውን ኣሎ። ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ሓደ ወተሃደራዊ መደበር ክኸፍት፡ ነቲ ካልእ ስዉር ወተሃደራዊ መዕለሚ ክፈቅድ፡ ካብዚ ሓሊፉ ንናይ ግዳም ሓይሊ ባሕሪ መደበር ክምድምድ ትንዕምንዕ ዝብሎ ዘሎ ምስቲ ዝተጠቕሰ ናይ ጥልመት ዝርዝር ዝድመር እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ወተሃደራዊ መራክብ ግብጺ ኣብ ደሴት ዳህላክ ብፍላይ ከኣ ኖራ ኣብ እትበሃል ቦታ ክዕርዳ እየ፡ ዝብል ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክነፍስ ንሰምዕ ኣለና። ኣብዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ኣግእዞ ኢትዮጵያ ምውጣጥ ኣብ ዝተባለሓሉ፡ ናይዚ ጉዳይ ትርጉም እንታይ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ዋላኳ ነቲ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ተሪር ሽኻል ዘየብሉ ወኻዕካዕ ርእዮም “ኢሳያስ ነዝስ ኣይውዕሎን ግዲ” ዝብል ግምት እንተለዎም፡ ወይለኦም ደኣ ነቶም ንዓኡ ዝኣመኑ እምበር፡ ንኢሳያስስ ናብ ዝያዳ ዘኽስበካ ጽግዕ ምባል ዘሕንኾ ኣይኮነን።

ኩሉቲ ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክጽሕትሮ ዝጸንሐ ውግእን ህውከትን መንቀሊኡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝሳዕረረ በደል እዩ። ሕጂ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ከዘውትሮ ዝጸንሐ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ካለኦት ዘይፍጽመሉ ምኽንያት የለን። ብፍላይ ከኣ ነቲ ኢሳያስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንኢራን ዝሸምጠጠ ሸምጢጡ ጠንጢንዋ፡ ኣብ ቅድሚ መንግስታት ስዑድዓረብን ኤምረትን ጭርኡ ክዘርግ ንዝተዓዘበ ኣካል እዚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ከባቢ ኖራ ምስውስው ምባል ክሕደሶ ኣይክእልን እዩ። ኮታ ጠመተ ኣዒንቲ ኢሳያስ ኩሉ ግዜ ናብ ርትዕን ፍትሕን ዘይኮና ናብ ጁባኻ እንዳመልኡን መዳልያ እንዳሃቡን ዕድመ ስልጣን  ዘናውሑልካ ኣካላት እዩ። ድሕሪ እዚ ከኣ ከምቲ “ዝበለዐት ከብዲ” ወይ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ቆላሕታኡ ንፋስ ናይቶም መዳልያን ዶላርን ዝህብዎ ነገስታት ምኽታል እዩ። ስለዚ ትማሊ ዝሸምጠጠ ሸምጢጡ ንኢራንን ንካለኦትን ሕቖኡ ዝሃበ ሰብኣይ፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ እንተደገሞ፡ ነቶም ዘይፈልጥዎ እንድዒ፡ ንዓና ግና ኣይክሕደሰናን እዩ። እቲ ጥልመቱ ኣብቲ መበቆሉ ኤርትራ እንተዘይተማሕዩ ከኣ ግዜን ኩነታትን እንዳመረጸ ናብ ደገ ምግንፋሉ ዘይተርፍ እዩ። እቶም ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራኳ ከምዘይኮኖ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን፡ “ሰብ ረኺብና” ኢሎም መኻይዲ ክኾኖም ዝሓርይዎ ከኣ የወኣዮም።

እምበር እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ምርዳእኳ ባዕሉ ይረዶ እንድዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ህግዲፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን ኩሉ ሓደ” ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ንምዝኽኻሩ’ዩ።