ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ጉባኤኡ ንምስልሳል ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።
ብመሰረት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ጉባኤ፡ ዞባ ሽማግለ ሰዲህኤ ዞባዊ ጉባኤ ቅድሚ መፋርቕ 2020 ንኽጋባእ ወሲና። ብኡ መሰረት 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቆይማ። ቀዳም ዕለት 11 ጥሪ 2020 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣወል ኣኼበኣ ብምክያድ ነፍሳ ናብ ሰለስተ ንኡሳን ሽማግለታት ብምስራዕ ዕቱብ ስራሓታ ተታሒዛቶ ኣላ።
ክንዕወት ኢና
ክፍሊ ዜና ዞባ ሰሜን ኣመሪካ
ህግደፍ ክንብል እንከለና፡ ዲክታተር ኢሳያስ ንመሕብኢ ክኾኖ ዝደኮኖ፡ ሎሚ ግና በቲ ዋናኡ ዝተጠልመ፡ መሰረቱ ኮነ መሪሕነቱ ደሃዮም ዘጥፍኡ ስም ጥራይ ሒዙ ዝተረፈ ትካል እዩ። ኣቲ ጥልመት ኣብ ህግደፍ ከም ትካል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሎም ካብ ቅድም እውን ሕጋዊ መሰረት ኣብ ልዕሊ ዘይነበሮም ትካላት ዝተፈጸመ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ኢሳያስ ሎሚ እውን ኣብኡ ካብ ምሕባእ ካልእ ምርጫ ስለ ዘየብሉ ከም ካለኣይ ስም ዲክታተር ኢሳያስ ኢና ንህግደፍ ንጠቕሶ ዘለና። ኩልና ከም እንርደኦ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ትካላት እንዳተጠልመን እንዳተሸምቀቐን ዝርካባ እታ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ እያ ተጠቕሊላ። እቶም ሓሓሊፎም ውጥምቅልቅል ክብሉን መልእኽቲ ከመላልሱን እንዕዘቦም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ “ሰበ መዚ” ብሳንቡእ’ቲ ዲክታተር ዘተንፍሱን ንሱ መመቲሩ ዝሃቦም ጥራይ እንዳኾለሱ ዕድመ ዘናውሑን እዮም።
ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ቃሕ ከም ዝበሎ ስምምዓት ዝፍርም፡ ስምምዓት ዘፍርስ፡ እንተደለየ ምስ ባህ ዘይበሎ ጽልኢ ስዕድም፡ ዋጋ ይረኽበሉ እየ እንተ ኢሉ እውን ብልኡላውነት ሃገር ዝጣላዕ፡ ሃብትን ንብረትን ህዝቢ ከም ድላዩ ዝሕሽሽ፡ ኣዋጅ ዘውጽእ፡ ኣዋጅ ዘፍርስ፡ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእቱ ዓንዳሪ እዩ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ቀደሙ ሓጋጊኡ፡ ፈጻሚኡን ፈራዲኡን ኣብ ዘይፍለጥ፡ ብግብሪ ኮነ ብሕጊ ህዝባዊ ኣፍልጦ ኣብ ዘየብሉ ሜዳ ክሕንብስ ዝመረጸ ነዚ ዕንደርኡ ንምውሓስ እዩ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣፎም መሊኦም ዝዛረብሉ ሞራልን ሕልናን’ኳ እንተዘየብሎም፡ ንህግደፍ/ኢሳያስ ዝድግፉ ንጣር ምህላዎም ዘይከሓድ እዩ። እቲ ኣደጋግፋኦም ግና ዘደግፍ ዝድህሰስ ሓቂ ሃልይዎም ዘይኮነ፡ “ሓንሳብ ካብ ኣተናዮ” ዝዓይነቱ ናይ ህልኽ ምርጫ ምዃኑ ምርዳኡ ኣየጸግምን። ኢሳያስ ከኣ ነቲ እንዳተራእየ ክነሱ ክሽፍኖ ዝፍትን ኢደወነናዊ ዕርቃኑ ንምኽዋል ኣብ ህግደፍ እዩ ክሕባእ ዝፍትን። ስለዚ “ንህግደፍ ኣይትደግፉ” ክንብል እንከለና፡ ቀንዲ ሕመረት መልእኽትና ንኢሳያስ ኣይትደግፉ ማለትና ምዃኑ ክበርህ ይግበኦ። ንኢሳያስ ኣይንደግፎ ክንብል እንከለና መበገሲ ምኽንያትና እቲ ርኡይ ገበኑ እምበር፡ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝነቅል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ኤርትራዊ ስለምንታይ ህግደፍ/ኢሳያስ ክድግፍ ከም ዘየብሉ ንምርዳእ፡ ብዛዕባ ቅዋም፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ መሰላት፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ፡ ስደተን ድኽነትን ምዝርዛር ከምቲ “ንቐባራይዶ መላቓሳይ የርደኦ” እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ጸገምን ግፍዕን፡ እንተኾነ ኣብ ገገዛና ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣብ ጐረቤትና ዘሎ ስለ ዝኾነ።
ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ቀደም ብሓፈሻ ንኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንከተማ ኣስመራ ዝፈልጠ ዝነበረ እሞ ናብ ሃገርና ገሹ ምስ ረኣየን ነቲ ኽፋእ ምዝርዛሩ ጸጊምዎ “ኤርትራ ክልተሻብ ተራእያ” ዝበሎ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ህግደፍ/ኢሳያስ ኣብ ኣዝዩ ምግላጹ ዘጸግም ጸልማት ምህላዎም መስካሪ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነዚ ንሃገርና ኣብዚ ደረጃዚ ኣውዲቕዋ ዘሎ ኣካል፡ እንተኾነ ጉልባብካ ቀሊዕካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ትቃወሞን ትቃለሶን፡ ካብኡ ሓሊፉ ክትድግፎ ግና ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን በደል ኣብ ርእሲ በደል ካብ ምፍጻም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምእንቲ ንብረትን ካልእ ጠቕምን ኢሎም ምስ በላዒ ሰብ ክመሳሰሉ ዝፍትኑ ወገናት እውን ከምቲ “ስም ሓላፊ ብልዒ ተራፊ” ዝበሃል፡ ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ሓደጋ ከም ዘለዎ ከስተብህሉ ይግበኦም።
ህግደፍ/ኢሳያስ፡ ደጋፊ ንምርካብ ነቶም ካብ ቀደም እንቃወሞ፡ ኣይሰለጦን እምበር፡ ኣሰይጥኑ ናይ ምቕራብ ጻዕሪ የካይድ እዩ። ብረቂቕ መንገዲ፡ “ኤርትራዊ ሓልዮት ዘየብሎም፡ 5ይ መስርዕ፡ መሳርሒ ወያነ” ብዝብል ግጉይ ስእሊ ከቕርበና ፈቲኑ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ሓልዮት ሃገር ዘየብሉን ናይ ግዳም ሓይልታት ምስ ዝኣምንዎም ኣብዑር ጸሚዶም ዝሓርስዎ ዘለዉን ንሱ ምዃኑ በሪሁ እዩ። ከምቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብሀል፡ ሎሚ ብዙሓት ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንህግደፍ/ኢሳያስ ኣሚኖም ዝድግፍዎ ዝነበሩ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት በጃ ዝሓልፍሉ ዝነበሩ ከይተረፉ፡ ገለን ዝባኖም ቀሊዖም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተሰልፎም ይምክትዎ ኣለዉ። ኣጽቂጦም ኩነታት ዝጸናጸኑን ጽባሕ ናብ ደንበ ለውጢ ምስላፎም ዘይተርፎም እውን ኣለዉ።
ካብዚ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ፡ ኢሳያስ ነቲ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐ፡ ብናይ ግዳም ሓይልታት ተጠዊቑ መመሊሱ ዝድርጉሖ ዘሎ፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዝህድድ ወስታታት ዝሰምዑ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ስምዒት እዮም ተቐቢለምዎ። እቶም ናይ ኢሳያስ ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ፈራዕራዕን ሓላይ ክብሪ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ምቕራብን ሓቂ ዝመስሎም ዝነበሩ በቲ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክቕጽል ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ተጻራሪ ጫፍ ምዝላሉ ኣዝዩ ደንጽይዎም። ነቲ ዝበሎ ክሳብ ካለኦት እንዳዓደመ ዝደጋግሞ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ’ውን ነይሮም። ነቶም ካብ ቅድም ዝባና ቀሊዕና “ዓገብ” ዝበልናዮን ንክህሉ ክብል ዝኾነ ካብ ምግባር ንድሕሪት ከምዘይብል ንጽበዮ ዝነበርናን፡ ነቶም ኣጸቢቑ ዘየግሃደ ዕቃበ ዝነበሮምን ወገናት ግና ዘይጠርጠርናዮ ስለ ዘይመጸና፡ እቲ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕዚኑና እምበር፡ ሓድሽ ኣይኮነናን።
ሕጂ እቶም ምርጫ ህግደፍ/ኢሳያስ መንገዲ ደሓን መሲልዎም ክድግፍዎ ዝጸንሑ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተጣዒሶም ክመልስዎ ኣይክእሉን እዮም። ድሕሪ ሕጂ መንገዲ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ምሓዝ ግና ዝከኣልን ናይ ሓላፍነት ዝስመዖ ምርጫን እዩ። እዚ ኩሉ እንዳሰማዕካን እንዳረኣኻን ሎሚ’ውን ኣሰር ኢሳያስ ምሓዝ ግና ብምርጫኻ ገበነኛ ካብ ምዃን ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ኢሳያስ እውን ግብሩ ስለ ዝፈልጥ ደጊም ህልውናኡ ብናይ ግዳም መወልቱ ዝውሰን እምበር፡ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ደገፍ ዝጽበ ኣይመስለናን። ነዚ እዩ ከኣ “ደገፍ ንህግደፍ ይትረፍ” ክበሃል ዝግበኦ።
እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን30 ዓመታት ዝተኻየደ፡ ህልኽን ኒሕን ዘይተፈልዮ እሞ ብዓወት ኤርትራ ዝተዛዘመ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ንክልቲኡ ወገናት ብዘሕጉስ ናይ ተዓዋታይን ተዓዋታይን ቅኒት ዘይኮነስ ብስነ-መጎት “ሰዓርን ተሰዓርን” ዝተኻየደ መስርሕ ምንባሩ ንጹር እዩ። ዋላ’ኳ ኤርትራዊ ሃገርነት ሕጋውነት ንምልባስ ብረፈረንደም ክድምደም እንተተገብረ፡ እዚ መስርሕ ንናይቶም ተሰዓርቲ ወገናት ቂምን ተሰዓርነትን ከህደኦ ኣይከኣለን። ከም መርኣያ ናይዚ ዘይምህዳእ ከኣ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን ብውዱብ ኮነ ብዘይውዱብ ኣገባብ፡ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም፡ ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ውዲታት ክኣልሙን ጽውጽዋያት ክጽሕፉን ከም ዝጸንሑን ኩላትና ንዝንገዖ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ግና ናጽነትን ልኡናውነትን ኤርትራ፡ ኣብ ዓውዲ ጅግንነት ኮነ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣደልዲሉ ዝተሰረተ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ክቡር ዋጋ ዝተኸፈሎ ኤርትራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ክምለስዩ ዝብል ስኽፍታን ስግኣትን ኣይነበሮን። ናይዚ እምነቱ ቀንዲ መሰረትን መተኣማመንን ከኣ ኣብ መላእ ኤርትራውያን ብጉዳይ ኤርትራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ስጡም፡ ንድሕሪት ዘይምለስን ንፋስ ዘየእቱን ናይ ሓባር ዕግበት ኣሎ ዝብል እምነት እዩ። ምናልባት ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ነቲ ዘይተጋህደ ኣብ ውሽጡ ተደጒሉ ዝነበረ ልኡላዊት ኤርትራ ዘይቅበል ውዲት፡ እቲ ናይ ቅድም ገዲፍካ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1991፡ ኣብ ቅድሚ ኣባላት መሪሕነት ውድብ ህግሓኤ፡ “ምስ ኢህወደግ ሓደ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንምስርት ኢና” ዝብል ናይ ጥልመት ምልክት ከም ዝሃበ፡ ብዓንተቦ ተሓቢርዎ ዝንተዝነብር፡ ህዝቢ ኤርትራ ተጣላዒ ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ጠቕሊልካ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ምውጋይ ንክበጽሕ ዕድል ኣይመሃቦን።
ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም’ቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ልኡላውነት ኤርትራ ንምውሓጥ ዘንባህቑ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ዝርካቦም ብጻዋዒት ናይቲ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም። እዚ ዕድልዚ ካብ ረኸቡ ነቲ ግዜ ክጽበይሉ ዝጸንሑ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ምዕጻፍ ህርፋኖም ከንጸባርቕዎ ባህርያዊ እዩ። ብግብሪ እውን ከምኡ ከም ዝገበሩ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ኣዝዩ ኣዛራቢ ዝኸውን ግና፡ ነዚ ኣሪጉ ክነሱ ደጋጊፎም ህይወት ክሰኹዕሉ ዝደልዩ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮሊፉ ጠቅላይ ግዝኣት ክገብራ ዝደናደን ተጠዓሲ ሓሳብ፡ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቀረባ ሰባት እውን የዕኩኹዎ ምህላዎም እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ናይ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ደጋፊ፡ ፖለቲከኛን ተንታኒ ጋዜጠኛን ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ኣቶ ታምራት ነገራ፡ “ኢሳያስ ንኤርትራ መንእሰያታ በታቲኑ የዳኽመልና ምህላዉ ነመስግኖ፡ ንኤርትራውነት ኣዳኺምና ወደባታ ክንውንኖ ኢና፡ ብህወሓትን ኢህውደግን ተሸይጠን ዝነበራ ወደባትና ናብ ዋናአን ኢትዮጵያ ክምለሳ እየ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብህወሓትን ኢህወደግን ዝተሰነዐ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበ እዩ፡ ህላወ ኤርትራ ከም ሃገር ብድሌት ኢትዮጵያ እዩ ዝውሰን ….. ወዘተ” ዝሕመረቱ ድፍረትን ዓዘር ቆዘርን ምዝርጋሑ ነቲ ዘሎ ሻቕሎትና መሊሱ ዘዕርጎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ንዕቀት እዩ።
በዚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣበሃህላ ኣቶ ታምራት ነገራ ዝተቖጥዑ ኤርትራውያንን ልኡላውነት ኤርትራ ዘኽብሩ ዘይኤርትራውያ ወገናትን ናይ ዓገብ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ሓቂ እዩ ኸኣ ኤርትራውያን በዚ ተቖጢዖም ዓገብ ዘይበሉ ደኣ ብምንታይከ ክቑጥዑ። እንተኾነ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና፡ ከምቲ “ዝብኢ ብዝጠሓሶ ከልቢ ይኣቱ” ወይ “ወየ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ዝበሃል፡ ህንጡይ ታምራት ነገራ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ነገር ንክጽሕትር ሸውሃት ዝኸፈተሉ መን ምዃኑ ነስተውዕል። ኢሳያስ ተጠሊዑ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ፥ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉም ናብ ዘየብሉ ክንቅይሮ ኢና፡ ካብ ሕጂ ንድሕሪት ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ። ከምዚ ዝብል ዘለኹ ከኣ ብስምዒት ዘይኮነስ ካብ ልበይ እየ፡ ….. ወዘተ” ከም ዝበለ ብእዝንና ሰሚዕና ኢና። ኢስያስ ኣብ ገለ ጽብብ ዝበለ መድረኻት “ንናጽነት ኤርትራ ኣነ እየ ኣምጺአያ፡ ኣነ ከኣ ከጥፈኣ እየ” ኢሉ ከም ዝተበደዐ እውን፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዕላላት ብሰፊሑ ዝዝረብ እዩ። ብናይዚ ኣይጥዑይ ኣይሕሙም ሰብኣይ ሃተፍተፍ ተተባቢዑ፡ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ከስመዖ ዝጸንሐ ኣሽካዕላላት እውን ንኹላትና ብሩህ እዩ። በመጽርዚ ታምራት ነገራ ኣሰር ኢሳያስን ኣብይን ይስዕብ ከም ዘሎ ዘይከሓድ እዩ። ኣብ መጻኢ እውን ታምራታት ክራብሑ ከም ዝኽእሉ ተገንዚብና ክንምምካቱ ክንዕጠቕ ይግበኣና።
እዚ ዝሕብረና እምበኣር፡ ከምቲ “ዋናኡ ዘሕሰሮ ንብረት ጓና ኣይኽብሮን እዩ” ዝበሃል ኢሳያስ መልክዕን መድረኽን እንዳቐያየረ ይፈጥሮ ብዘሎ ሃጓፋት እንዳኣተዉ ልኡላውነትና ግሂሶም ከም ህዝቢ ከፍርሱና ዝህቅኑ ወገናት ክቀላቐሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ብታምራት ነገራ ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ካልኦት ከም ዝኽተልዎ ጠርጢርና ክንዳሎ ይግበኣና። ነዚ ንምግታእ እምበኣር፡ ኤርትራ ናይ ህዝባን ናይቲ ምእንኣታ ዋጋ ዝኸፈለ ስዉእ ሓርበኛን እምበር፡ ኢሳያስ ከም ትሕጃ ኣትሒዙ፥ ኣብ ፈቐድኡ፡ ኣግማል፡ ኣፍራስ፡ ናይ እንዳማቱ ባህላዊ ክዳውንት ኣዋርቕን ዝሽለመላን ዝፋተወላን ናይ ግሉ ንብረት ከም ዘይኮነት ከነመስክር ናይ ግድን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድን ዘይስገርን ሓላፍነትና፡ ሓላፍነት ኩልና ኤርትራውያን እዩ። ነዚ ካልእ ክዓመልና ዘይክእል ሓላፍነት ኣቐሚጥና፡ ካብ ኣብይ ጀሚርካ ክሳብ ታምራት ዘለዉ፡ ካብ ተመኩሮም ኤርትራዊ ጽንዓት ዘይተማህሩ ክውሕጡና ንዝደልዩ ሃንጐሊማታት፡ ብመርገምን ምስትምሳልን ጥራይ ልኡላውነት ሃገርና ከነድሕን ኣይንኽእልን ኢና። ብፍላይ ከኣ ክሳብ ሕጂ ንኢሳያስ ክትድግፉ ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ወይ ንኤርትራ ከም ሃገር ወይ ንኢሳያስ ከም ተዋጋያይ ብኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም እትመርጽሉ ሳልሳይ መህደሚ ኣብ ዘየብሉ ወሳኒ ምዕራፍ ምህላውኩም ዘክሩ። ናትና ምርጫ ምዕቃብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ክብሪ ህዝባን እዩ። ናትኩምከ?
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ፈአአፈናይ 2020 ዓ.ም ፈላሚ ኣኼባኡ ብዕለት 05.01.2020 ኣካይዱ። ጨንፈር ፍራንክፎርት ዘጥረዮ ዝምድናታት ብምዕቃብ ናይ ሓደ ዓመት ምሉእ ሰሌዳ ኣኼባ ሰሪዑ ኢዩ ኣኼባ ጀሚርዎ። ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦመንበር ሰላምታን ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮትን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ንዕለቱ ኣብዝተታሕዘ ኣጀንዳ ተኣትዩ።
ኣኼባ ንውሽጣዊ ኲነታት ሰልፊ ብፍላይ ድሕሪ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ንዳግመ ስርርዕ ዝኣንፈተ ኣተሃላልዋን ኣብ ዓውደ ተግባር ዝካየድ ዘሎ ዕማማትን ዝኣንፈተ ኣጀንዳ ቀዳምነት ካብዝሃቦ ምንባሩ ክዝከር ይካኣል። ብዘይካዚ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን በርጌሳውያን ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርአ ዘሎ ንሓባራዊ ስራሓት ዘተባብዕ ኲነታት ኣኼበኛ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሑ። ኣኼባ ጨንፈር ነቲ ብ4 ጥሪ 2020 ዝተኻየደ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ፈጻሚት ሽማግለን ዝሃቦ ገምጋም ኣብ ህልዊ ዝምድና መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ‘ውን ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብምድጋፍ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋትን ዘርእይዎ ንዘልዉ ተሳታፍነት ንኢዱ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ደምበ ተቓውሞን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋትን፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ጥልመትን ንልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ወስታታትን ብምቅዋም ዘርእዮ ዘሎ ናይ ይኣክል ማዕበል እናነኣደ፡ ንዝርአ ንኣሽቱ ጉድለታት እናኣረምካ ሃገራዊ ማኣዝን ዘለዎ ውደባ ክሕይልን፡ ካብ ፈላላዪ ዝኮነ ሰልኵታት ስርዓት ህግደፍ ተጠንቂቕካ ምቅላስ ከም ዘድሊ ኣኼበኛ ርእዩ። ስርዓት ህግደፍ በዚ ህዝባዊ ንጥፈታትን ምጥርናፋት ደምበ ተቓውሞን ስለ ዝሰግአ፡ ንምብርዓኑ ማእለያ ዘየብሉ ወጻኢታት ሰሊዑ፡ ልኡኻቱ መዲቡ፣ ንምብታን ተቓውሞና ላዕልን ታሕትን እብልን የዕለብጥ ከምዘሎን ይረኤ ምህላዉ በሪሁ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ትሕቲ ሃገራውነት ዝኾነ ፈላላዪ ንጥፈታትን ኣተሓሳስባታትን ተወንዚፉ፡ ብቐዳምነት ህልውና ሃገርና ንምውሓስን ንምክልኻልን፡ ድሕነት ህዝብና ንምርግጋጽን ክንቓለስ ከምዝግባእን፡ ኣብዝመጽእ ግዝያት ክካየድ ኣብ መደብ ዘሎ ሓባራዊ ዕማማትን ተሳትፎና ክብ ክብል ከምዘለዎን ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።
ኤርትራ ዋናኣ፡ በዓል ብዙሕ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ኣውራጃን ካልእ መግለጺ ብዙሕነትን ህዝባ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ህዝባ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ስራሕ፡ ሓረስታይ፡ ነጋዳይ፡ መጓሰ ሰራሕ መንግስትን ዝተዋፈረ እዩ። ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘምጽእዋ ልኡላዊት ሀገረ-ኤርትራ፡ መጻኢኦም ንምጥጣሕ ብሞያኦም፡ ብጾታኦም ወይ ብዕድሚኦም ተወዲቦም ብዛዕባ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ፡ ናይ ሓባር ድምጾም ናይ ምስማዕ መሰል የብሎምን። ምናልባት መንግስቲ ህግዲፍ መሳርሒ ክኾንዎ፡ ንሱ ብዝመርጾ ሕግን ዕማምን ዝውድቦምን ብናቱ ሰባት ዘምረሖምን፡ ስማዊ ብሳንብኡ ዘተንፍሱ፡ ውዳበታት ይህልዉዎ ይኾኑ። ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ናይዚ ኣብነት እዮም።
ኣብዚ መዳይዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝምድናዊ ኣመዛዝና፡ ዝሓሸ ውዳበን ዕጥቅን ዘለዎ ትካል እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ በዚ ትካልዚ እንዳተሓለወ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ሕልሚ ስለ ዘለዎ እዩ። ምስዚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘጋጥሞም ዘሎ ዓማሚ ጸገም ከኣ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብቲ መሳርሒ ንክኾኖ ዘሰልጥኖን ዘዕጠቖን ጉጅለ፡ ንጉዳያት ዝተፈልየ ኣመዛዝና ክህልዎ ባህርያዊ እዩ፡ ዝብል እምነት ስለ ዘለና ኢና፡ ኣብ ርእሲቲ ባዕሉ ዝርደኦ እነዘኻኽሮ።
ኤርትራውያን ብዛዕባ ኣተናትናን ኣገላልጻን ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግዝኣት ህግዲፍ ምናልባት ኣዝዮም ንኡሳት ፍልልያት ይህልዎም ይኸውን። ብዓብይኡ ግና ህልዊ ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝቢ ዝተጨውየላን ሕድሪ ስዉኣት ዝተጠልመላን፡ ህዝቢ ብዘይፈልጦ ፖሊስታት ዝመሓደረላን ብዘይመረጾም ጉሒላታት ዝመሓደረላን፡ ህዝቢ መሰል ሓሳቡ ምግላጽ፡ ምውዳብን ናጽነት እምነትን ዝተነፍገላ፡ ከመዚ ኢልካ ከተዘንትዎ ዘጸግም ሕጽረት ዘይኮነስ ስእነት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዝሳዕረረላ፡ ወልቀ-ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ኩሉ መሰል ህዝባ ዝገፈላ፡ ብዓብይኡ ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ክሓሙ እንከለዉ ዘልዕሎም፡ ክሞቱ እንከለዉ ከኣ ጉድጓድ ኩዒቱ ሓመድ ኣዳም ዘልብሶም መንእሰይ ዝስኣኑላ ሃገር ኮይና ከም ዘላ መላእ ህዝቢ ኮነ ሰራዊት ኤርትራ ዝረዳድእሉ ህልዊ ሓቂ እዩ።
ወዮ ከምቲ ለባማት “መነባብሮይ ኢልካ እንተ ተቐቢልካይ፡ መቓብር እውን ይመዉቕ” ዝብልዎ ኮይኑ እምበር፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ጸልማት እዩ። ነዚ ንዓለም ዘገርም ህይወት ኤርትራውያን ቀይርካ ናብ ንቡር ንምምላሰ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኩልና ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘለና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሙያ ዝተዋፈርና ኤርትራውያን እቲ እንብህጎ ለውጢ ንክገሃድ ከነብርክት ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ኢና ዘለና። ኣብዚ መስርሕ ግደ’ቲ ሰራዊት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ግደ ሰራዊት ዕዙዝ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብመሰረቱ እዚ ትካልዚ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ምናልባት እውን ብዝለዓለ ግዳይ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ስለ ዝኾነ እዩ። ብሰንኪ እቲ ግዳይ ምዃኑ፡ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ካብታ ክሃንጻ ዝግበኦ ሃገሩ ይስደድ ምህላዉ ሓደ መረጋገጺ እዩ። ገለ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ወገናት ኣብዛ ትማሊ ዘፋነናያ ዓመት 2019 ኣስታት 20 ሺሕ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝነበሩ ብወገን ኢትዮጵያ ከም ዝተሰዱ ይምስክሩ ኣለዉ።
ነቲ ሰራዊት ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክሞ ግና እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ምስቲ ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ንገዛእ ርእሱ ተሓልዩ ቀጻልነቱ ከውሕስ ክበል ብዝኸፍቶ ጸቢብ ዕድል ዝሓሸ ናይ ምውዳብን ተቐራሪብካ ናይ ምልዛብ ጸቢብ ዕድል ኣለዎ። እዚ ክንብል እንከለና ግና ሰራዊት ኤርትራ እውን ኣብ መጻወዲያ ዝተፈላለየ ናይ ስለያ ቀጸላታት ምህላዉ ዘንጊዕና ኣይኮናን። ናተይ ኢሉ ሓላፍነት ወሲዱ እንተ መኪትዎ ግና ክሰግሮ ዝኽእል ምዃኑ ክሰሓት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣደታትን ኣቦታትን ናይዚ ሰራዊት ክቡር ህይወት ከፊሎም ልኡላዊት ሃገረ-ኤርትራ ዘውሓሱ፡ እዚ ህልዊ ሰራዊት ከኣ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ስለ እንጽበዮ፡ ናይ ህዝቢ በዓል ዕዳ እዩ። እቲ ዕዳ ግና ገንዘባዊ ወይ ካልእ ነገራዊ ዘይኮነ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ተወፋይነትን ትብዓትን እዩ።
ናትና ደኣ ምስቲ ናይ ካለኦት ክወዳደር እንከሎ ይገድድ እምበር፡ ከማና ብሰንኪ ሕድሪ ህዝቢ ዝጠለሙ ሃንጐሊማ መንግስታት ክጭቆኑ ዝጸንሑን ጌና ዝጭቆኑ ዘለዉን ህዝብታት ብዙሓት እዮም። ተመኩሮ ናይቶም ካብ ወጽዓ ወጺኦም፡ ሓድሽ ዲሞክራስያዊ ህይወት ክምስርቱ ተተይ ዝብሉ ዘለዉ ህዝብታት ምስ እንድህስስ ከኣ፡ ግደ ሰራዊት ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኣንተ ንልምዓት እንተ ንጥፍኣት ኣዝዩ ዕዙዝ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ተመኩሮዚ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ቅዱስ ቅንእን ኒሕን ክሓድሮ ሓላፍነት ዘሰክሞ እዩ። ባዕሉ እቲ ሰራዊት ርሑቕ ከይከደ፡ ተመኩሮ፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያን ካለኦት ሃገራትን ሃሰስ እንተ ኢሉ ነቲ ሓቂ ክረኽቦ ይኽእል እዩ። እዚ ንሰራዊት ኤርትራ ነሰክሞ ዘለና ዕማም፡ ኣብ ኤርትራ ኣይተፈተነን ማለትና ኣይኮነን። እቲ ብጉጅለ ህግዲፍ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ትርጉም ክወሃቦ ዝተፈተነ፡ ንቕሎ ወዲ ዓልን ብጾቱን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ካለኦት ተፈቲኖም ከይተዘርበሎም ዝቐሃሙ ንቕሎታት ከም ዝነበሩ እውን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮንን። በዚ ኮነ በቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሰራዊት ነቑሉ ብዘይተዓወተ ተመኩሮታት ክስንብድ ኣይግበኦን። ኣብ ክንዳኡ ካብቲ ዘይተዓወተ ፈተነታት ተማሂሩን ተመኲሩን ኣተሓዛኡ ከጸብቕ’ዩ ዝግበኦ።
ኣብ ምድሓን ህዝብን ሃገርን መሪሕ ሓላፍነት ክወስዱ ይግበኦም ዝነበሩ፡ ናይ ቀደም ተጋደልቲ፡ ናይ ሎሚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምንባሮም ዝሰሓት ኣይኮነን። እንተኾነ እዞም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ቅያ ከም ዝሰርሑ ዝንገረሎም፡ ገዳይም ተጋደልቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሎሚ ክልተሳብ ተራእዮም እዮም። ትማሊ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተበዓት ዝነበሩ፡ ሎሚ ናይቶም “ሓደራኹም” እናበልዎም ዝተሰውኡ ሰማእታት ኤርትራን ዝኣተዉዎ ሕድርን ጠሊሞም፡ “ዘበን ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ኢሎም፡ ደድሕሪ ረብሓ ዝጐዩ፡ ንዲክታተርን ዲክታተርነትን ዝረዓሙ ኮይኖም ስለ ዘለዉ እቲ ሓፋሽ ሰራዊት ብኣኣቶም’ዩ ክጅምር ዝግበኦ። ብመንጽር’ዚ ካብቶም ቅድሚ ህዝቢ ከብዶም ዘቐድሙ ቀቢጹ “ኣነስ ምስቲ ሰራሕ ታሪኽ ህዝበይ’የ” ክብል መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ከምቲ “ገረብ ብሓኽላ” ዝበሃል፡ ነዚ ኣብ ላዕለዋይ መዓርግ ዝደየብን ብጹርራ ዝተዓሸወን፡ ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ዘበሳብስ ዘሎ ወገን፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ደሓር ዝጠዓስ፡ ሎሚ ክደፍሮ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ከቢድ ህዝባዊ ሕድሪ ደጋጊሙ ከስተማቕሮን ከስተብህለሉን ከኣ ኣብ ምጅማር’ዚ ሓድሽ ዓመት ንጽውዖ ኣለና።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘየደቅስ ደረጃ ዓሪጉ ከም ዘሎ ንዓና ኣዝዩ ብሩህ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝሓሸ ንምቕያሩ ቀጻሊ ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና እዩ። ጉዳይና ናትና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ናይ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ጐረባብትና መንግስታት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኩይኑ እዩ። ጐረባብትና ንጉዳይና ኣጀንዳአን ዝገብረኦ፡ እቲ ጸገም መሊኡ ናብኣተን እውን ጀርበብ ኢሉ ምስ ፈሰሰን እዩ።
ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከሎና፡ ካብ ነቲ ኣሉታ ምዝርዛር ምናልባት ኣወንታ እንተልዩ ሃሰስ ምባል እዩ ዝቐልል፡ እንተኾነ ሃሰው ኢልካ ዝድህሰስ ኣወንታ ስለ ዘየለ፡ ብድብድቡ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣሉታዊ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ’ዩ ነቲ ኩነታት ዝገልጾ። እዚ ኣይኮነንዶ ጐረባብትና ሃገራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላቱን፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለም ለኻውን ዞባውን ትካላት ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ሕማቕ ምስሊ እኹል ኣፍልጦ ኣለዎም። ወዮ ደኣ ንግብራውነቱ ኣይደፍእሉን እምበር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ናይ “ዓገብ” ቃሎም ዘስምዕሉ እውን እዩ። ከምቲ “ካብኣ ናብኣ” ዝበሃል ከኣ ጐረባብትና መንግስታት ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ “ኣብዚ ሃገርዚ በዚ ተራእዩ” ዘይብሃል ሕሰምን ድሕረትን እኹል ሓበሬታ ኣለዎም። ንኣብነት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ፡ ኣብ ኡጋንዳ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም። እዚ ንመንግስቲ ኡጋንዳ ብዛዕባ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብ ወርሒ 6 ሺሕ ኤርትራውያን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብኣቶም ትሕቲ ዕድመ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘረጋገጽዎ እዩ። ከምቲ ግቡእ እዚ ብዛዕባ ከመይነት ምምሕዳር ኣብ ኤርትራ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።
ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱምን ኣዝዩ ድሑርን ተግባራት ናይቲ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-ዲክታተር ወዲቑ ዝጸንሐን ዘሎን ምምሓዳር ዝወረደ መዓት መሊኡስ ናብ ጐረባብትና ጀርበብ ክብል ከም ዝጸንሐ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ጉጅለ በብግዜኡ፡ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቀረባ ሰባቱ እውን ብዘይፈልጥዎ ምኽንያት፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ ብዓብይኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክኣጉዶ ዝጸንሐ ሓዊ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ጉጀለ ብሰንኪ ተግባራቱ ከም ዝተፈንፈነ ስለ ዝፈልጥ፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ናይ ሓባር መድረኻትን ሓኪሉ ከም ዝጸንሐን ሕጂ እውን ኣብዚ መዳይ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰን ንኹላትና ብሩህ እዩ። ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ እንተዘይኮነ፡ ሓያሎ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ጸይቂ ኣካይዳ ናይዚ ባዛዕባኡ ንዘረብ ዘለና ጉጅለ ዘይዕግበተን ከንጸባርቓ ጸኒሐን እየን። ጅቡቲ ብኣብነት እትጥቀስ እያ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ናበይ ገጹ ከም ዝኸይድ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኢትዮጵያውያን እውን ምርድኡ ኣጸጊምዎም ዘሎ ለውጢ ምስተራእየ፡ በቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቢለዮ ኣለኹ” ዝበሎ፡ ግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘይተራእየ መብጸዓ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዲክታተር ኢሳይያስን ሃንደበታዊ ፍቕሪ ክዕምር ተዓዚብና። እንተኾነ ሰሚዕካ ጥራይ ስለ ዘይህጠር ኩልና፡ ናይዚ መብጸዓ ግብራውነት ክንርኢ ተጸቢና። ብተግባር ከኣ እቲ ተጠሊዕካ ዝተኣትወ ቃል ኣጸቢቑ ከም ዝተዓጽፈ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ “ኣብ ውሑስ ደረጃ ኣላ” ዝበልናያ ልኡላዊት ኤርትራ ዝህድድ ድምጽታት ካብ ክልቲኦም ሰብ ሓድሽ ፍቕሪ መራሕቲ ክንሰምዕ ጸኒሕና። ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ጉዳይ ዶብ ክለዓል እንከሎ ናይቲ ዝተኣትወ ቃል ባዶነትን ናይቲ ሓድሽ ፍቕሪ ዕላማን ዋናን ካልኦት ምዃኖምን ከንጸባርቑ፡ ነቲ ናይ ኣምሓርኛ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ትግርኛ እንዳተርጐሙ፡ “እቲ ጽድቅስ መትረፈኒ፡ ብግቡእ እንተዝኹንነኒ” ክብሉ ተገዲዶም።
እቲ ክጅመር እንከሎ “ጉጅለ ለማ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ፡ ሎሚ ግና ስም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዘበርኽ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ውዑይ ዝነበረሉ፡ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበሩ ተቓወምቲ ዓዲሙ “ተወዳደርቲ” ዝብል ስም ኣጠሚቕዎም፡ ዝሓሸ ሕገመንግስቲ ከም ዝፈጥርን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ዝበለጸ ምርጫ ከካይድን ቃል ኣትዩ። ኮታ ነቲ ጸቢቡ ጸኒሑ ዝበሎ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ኢትዮጵያ ከስፍሖን ንከምኡ ዝምጥን መንግስታዊ ኣወዳድባ ከተኣታቱን ቃል ስለ ዝኣተወ፡ ናይ ብዙሓት ብሃግቲ ለውጢ ቀልቢ ስሒቡ ነይሩ። እሞ ሎሚ ድሕሪ ኣስታት 20 ኣዋርሕከ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ብዝያዳ ኢትዮጵያውያን ከመይ ይመዝንዎ ኣለዉ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንዓና እውን ይጸልወና ስለ ዝኾነ ምክትታሉ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። ሓደ ሓሳብ ወስ ንምባል ግና ብፍላይ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት፡ ቃልን ተግባርን ተረሓሒቖም ከም ዘለዉ ምእማት ዘጸግም ኣይኮነን።
ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውደቕዎም ብዙሓት ዛዕባታት ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድሰና ግና ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ብኤርትራውያን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ከም ዝኣትወት ከልቢ ተጸሊኡ ዘሎ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቒ ኣሕዲረምዎ ዘለዉ ናይ ልቢ ድዩ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዘይፍለጥ ሓድሽ ፍቕሪ እዩ። ብርኢቶይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝጨበጥዎ ኢድን ዝሰዓምዎ ምዕጉርትን ኢሳይያስ ብደም ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወ ምዃኑ ይጠፍኦም’ዩ ኣይብልን። ኩሉቲ ንሶም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተዉሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን መብጸዓታት፡ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ይፈልጡ እዮም። ኣብቲ ጭርሖኦም ዝጸንዑ እንተኾይኖም ከኣ፡ ነዚ ዲክታተር ኣሚኖም ጋብን ባርኖስን ክስልምዎ ዘይኮነስ፡ ክጽየፍዎን ክርሕቅዎን መተገብአ። ዲሞክራስያውነት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣኽባርነት፡ ምስፋሕ ዲሞክራስያዊ ሜዳ፡ ምክያድ ምርጫን ካልእ ዝኣተዉዎ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ክኸውን ኣይመተገበአን።
ከምቲ ግቡእ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ኣብ ዘላ ኤርትራ ሳዕሪሩ ምስ ዘሎ ጸረ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ክዛመዱ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዝጠቅም እንተኾይኑስ ደሓን። ከምዚ ዝተዓዘብናዮ ግና ነቲ ዲክታቶር እምብዛ ገጽ ክህብዎ ኣይመተገበአን። በዚ ኣጋጣሚ ዶ/ር ምስቲ ጽባሕ ዝሓልፍ ውልቀ ምልካዊ ባእታን ጸይቂ ኣተሓሳስባኡን ተዓራሪኾም፡ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ግና ይጻልኡ ከም ዘለዉ እንተዘስተብህሉ መመልከዓሎም። ኣብዚ መዳይዚ ዘማኽርዎም ኣካላት እንተልዮም’ውን እቲ ናይ ቀደም “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን” መልክዑ ቀይሩ ናብ “ኤርትራ ዲክታተራ’ምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን” ከይምዕብል ከስተብህልሉ ይግበኦም። እንተቲ መህነጺ ኤምባሲ መሬት ንብረት ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ኢሳይያስ ተሰኪምዎ ስለ ዘይከይድ ግርም።
ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ግንባራትን ካለኦት ናይ ምትእኽኻብ መድረኻትን፡ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ብዘራኽቦምን ናይ ሓባር ሸቶ ንምምዝጋብ ብዝንቀዱ ውፉያት ዝቖሙ ትካላት እዮም። እቲ ኣብዚ ጽሑፍ እንግደሰሉ ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ማሕበራት ንዘይፖለቲካዊ ተግባራት እውን ከም ዝቐውም ፍሉጥ እዩ። እቲ ንኹሎም ዘመሳስሎም ብዘንቀዱ ውልቀሰባት ንናይ ሓባር ዕማም ዝዓዩ ምዃኖም እዩ።
እዞም ብዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ኣገባባት ዘቑሙ ኣካላት ምእንቲ ናብቲ ዝኣመምዎ ሸቶ ክበጽሑን ቀጻልነት ብዘለዎ ኣገባብ ክጐዓዙን ዝቕይዶም ፈትዮም ይርሓሰና ዝበልዎ፡ ኣገዳሲ ኣዕኑድ ዝሓቁፍ መጠርነፊ ሕጊ የድልዮም። ከምኡ እንተዘይኮይኑ፡ ከምቲ “ዋሕስ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ጓጉድ ድፉእ” ዝበሃል፡ ዕላመኦም ኣብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ደረጃ ናይ ምብጽሑ ዕድል ውሑስ ኣይከውንን እዩ።
ኣብ ስጡም ወለቕ ዘለቕ ዘይብል፡ ፖለቲካዊ መስርሕ ቀጻልነት ንምርግጋጽ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ሓቛፊ ሕጊ፡ ታሕተዎት ኣካላት ብውሳነ ላዕለዎት ኣካላት ይምእዘዙ፡ ውሑዳት ብውሳነ ብዙሓት ይቕየዱ፡ ውሳነ ብዙሓት ይትግበር፡ ርኢቶ ውሑዳት ከኣ ይስማዕ፡ ዝብሉ ኣዕኑድ ይሰፍሩ። ከምኡ እውን ካብ ናይ ሓደ ኣባል ናይዚ ትካላት ጀሚሪካ ከከም ኣቀራርጻ ናይቲ ትካል፡ ናይ ጉጅለ፥ ጨንፈር፡ ዞባ ….. ወዘተ እንዳበልካ ግቡእን መሰልን ናይ ኣባላትን ኣካላትን ይሓቁፍ። ናይ ውሳነታት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕትን ናይ ኣብ ውሳነ ዝሕግዙን ተሳትፎ መሰረታት ዘስፍሑን ለበዋታትን መተሓሳሰብታትን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ቀጻሊ ዋሕዚ ኣድላይነት ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ኣካላት ከኣ ከከምቲ ዝተሰለዓሉ ግቡኡ ይፍጽም፡ ብመሰሉ ከኣ ይጥቀም። ኣብ መንጐ ግቡእን መሰልን ዘሎ ሚዛን ክሕለው ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ግቡእካ ከይፈጸምካ ናይ መሰልካ ተጠቃሚ ጥራይ ክትከውን ምድላይ፡ ካብ “ከይዘራእካ ክትሓፍስ ምምናይ” ዝፍለ ኣይከውንን።
ኣብዚ እዋንዚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ካብ ዘሎ ተረኽቦታት፡ ቅድሚ ብዛዕባኻ ምሕሳብን ምምዛንን ብዛዕባ ካለኦት ክትፈልጥን ክትወራዘን ምህንጣይ እዩ። ንኣብነት ሓደ ኣባል ሰልፊ ይኹን ውድብ፡ ምናልባት እውን ኣባል ማሕበር ቅድሚ “ኣነሲ እንታይ ንለውጢ ዝሕግዝ ኣበርኪተ?” ኢሉ ምሕሳብ፡ ኣብቲ ኣባል ኮይኑ ዝዋሰኣሉ ትካል እንታይ ለውጢ ከም ዘሎ ክፈልጥ ይሓትት። ኣብ ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ዝረአ ለውጥን ምዕባለን እኩብ ድምር ናይቶም ፈትዮምን ኣሚኖምን ዝዋስኡ ኣባላትን ኣካላትን እምበር፡ እቲ መሪሕነት ዝደርሶ ልበ-ወለድ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ከየበርከትካ ለውጢ ምጽባይ ግና፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ምስ “ከይዘራእካ ክትሓፍስ ምምናይ” እዩ ዝቑጸር።
እዚ ክበሃል እንከሎ ግና መሰረታትን ዝተፈላለዩ ስርዒታዊ ኣካላትን፡ ብዛዕባቲ ከማእክሎም ሓላፍነት ዘሰክምዎ መሪሕነቶምን ዝምረሓሉ ሕግታትን ኣይቆጻጸሩን ኣይሕተቱን ማለት ኣይኮነን። ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ ኣበሃህላ ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ክሳብ ላዕሊ በቲ ቅዋም መሰረት ኣብ ዝተዋህበካ ግቡእን መሰልን ተቢዕካ ክትዋሳእ ናይ ግድን ምዃኑ ንምንጻር እዩ። ኣብ ሓደ ደረጃ ናይቲ ዝተሰለፍካሉ ሰልፊ ይኹን ውድብ ዝፍጠር ብኩራት፡ ሃስያ ከም ዘለዎ ንምዝኽኻር’ውን እዩ። ኩሉ ኣካላት ነናቱ ኣበርክቶ፡ ቦታን ብጽሒትን ዘለዎ እምበር፡ ናይቲ ሓደ ብናይቲ ካልእ ኣስተዋጸኦ ዝትካእ ኣይኮነን። ግደ መሰረት ክበኩር እንከሎ፡ ብኣበርክቶ መሪሕነት ዝዕመም ኣይኮነን። ግደ መሪሕነት ክበኩር እንከሎ እውን ከምኡ ብመሰረት ዝትካእ ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ሓደ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ጥዕና ክረጋገጽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኩሉ ኣካላቱ ካብ ቀጻሊ መስርሕ ክበኩር የብሉን።
ዝተወሰኑ ሰልፍታት፡ ውድባት ወይ ማሕበራት ናይ ዝምስርትዎ ጽላል ወይ ግንባር ጥዕና እውን ብጥዕና ናይቶም ዘቑምዎ ኣባላቱ እዩ ዝውሰን። ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣብቲ ዘጽልሎ ጽላል ንቑሕ ተዋሳኢ ንክኸውን ናቱ ዋኒን ወጊኑ ሓጋዚ ሓሳብ ሒዙ ዝስለፍ ክኸውን ይግበኦ። ናቱ ዋኒን ክውግን ዘይበቐዐ ግና ኣብቲ ጽላል ኣይሕግዝን ጥራይ ዘይኮነ ሰከም እዩ ዝኸውን። ካብ ዝተሓተ ኣካል ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ጀሚርካ ክሳብ ጽላል ናይ ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባትን ኣብ ዘሎ መድረኽ ከኣ፡ ናትካ ኣበርክቶ ከይሓውስካ ብናይ ከለኦት ኣበርክቶ ጥራይ ለውጢ ድዩ ዓወት ክትጽበ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ብውልቂ ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ብውድብ ኣባል ክንከውን ክንውስን እንከለና፡ “ክንዲ ዓቕመይ ከበርክት እየ” ካብ ዝብል ውፉይነት እምበር፡ “ናይ ካለኦት ኣበርክቶ ተዓዛባይ ክኸውን እየ” ካብ ዝብል ትህኪት ዝነቅል ክኸውን ኣይግበኦን። ሰልፍና ድዩ ውድብና ምናልባት እውን ማሕበርና ሒዝና ኣብ ሰፊሕ ጽላል ክንጽመድ እንከለና እውን ከምኡ ድሉዋት ክንከውን ይግበኣና።
እቲ ቀንዲ ጉዳይ ንምንኣድ ኮነ ንምንቃፍ፡ ወይ ውጽኢትን ለውጥን ንምጽብጻብ ከም ኣባል ሓደ ትካል ድዩ ከም ኣባል ሓደ ጽላል ከካብ ነብስና ክንጅመር ይግበኣና። ጉዳያት ንምምዛን ኣብ ክንዲ ካባኻ ምጅማር፡ ነቲ ዛዕባ ካባኻ ከተርሕቖ ምፍታን ግና ቅድሚ ኩሉ ንዓኻ ከም ኣባል ሓደ ሰልፎ ኮነ፡ ከም ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣባል ጽላል’ዩ እዩ ዝጐድእ።
ካብዚ ከይረሓቕና ኣብ ኣየናይ ኣገባብ ቃልሲ ከም እተትክል ኣብ ምውሳን ዝርአ ጸገማት እውን ኣሎ። ኣብ ሓደ ኣገባብ ቃልሲ፡ ንኣብነት ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ምድማዕ ምስ ሰኣንካ፡ ኣብ ክንዲ ኣብዚ መዳይ እተድመዓሉ ዓቕሚ ክትድልብ ምጽዓር፡ ዓቕሊ ኣጽቢብካ፡ ናብ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ፡ ንኣብነት ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ሃተምተም ምባል ይረአ እዩ። ዝመርጽካዮ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዘየስርሕ እንተኾይኑ፡ ኩነታትካ፡ ናይ ህዝብኻ ዝምዒትን ከባብኻን ብጽሞና መዚንካን ኣጽንዕካን’ ናብ ዘሓሸን ዘቃልስን ኣገባብ ምቕያር ብልሓት እምበር ነውሪ ኣይኮነን። ቅድሚ ኩሉ ግና እቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ቃልሲ ድዩ ዘየስርሕ ኮይኑ፡ ወይ ንስኻ ኢኻ ክትሰርሓሉ ዘይበቓዕካ ምንጻር ናይ ግድን የድሊ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድሚ በሃግቲ ለውጢ ኤርትራውያን ዘሎ ብደሆታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብዓብይኡ እቲ ብሰንኪ ዓመጸኛ ጨቋኒ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ናይ ሕገመንግስቲ ዘይብላ፡ ብሕጊ ዝቕየዱ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዘይረኣየላ፡ ልዕልና ፍትሕን ሕግን ዝተሓረማ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ምርጫ ዘይፈተነት፡ መንእሰያታ ኣብ ሃገሮም ምስ ጸበቦም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ፡ መሰረታዊ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብን ነጻነት ኣብ ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምምላኽ ዝተሓረመላ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ኩሉ ናይ ኣሉታ ዝርዝር ቅድሚት እትስራዕ፡ መራሒኣ ብልኡላውነታ ክጣላዕ ዝደናደን፡ ኮታ ኣብ ኢድ ሓደ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ጽሉልን ዘራግን ሰብኣይ ናይ ዝወደቐት ሃገር ዜጋ ምዃን፡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ፡ መሪርን ኣሻቓልን ብደሆ ምዃኑ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ግና ምሽቓል ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ንምቕያሩ ተቢዕካ ምቅላስ ጥራይ እዩ።
ኣብቲ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ተዳዕኒኑ ዘሎ ምእማኑ ዘጸግም ድሑር ምምሕዳርን መንግዛእትን፡ ጉጅለ ህግዲፍ ስዒርካ፡ ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ እነካይዶ ዘለና መሪር ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ እውን ብደሆታት ኣለዉና። ክሳብ ሎሚ ነቲ ብውሽጣዊ መስርሑ’ውን ተሓቚኑ እንዳመሽመሸ ዝኸይድ ዘሎ ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ መኪትና ከነወግዶ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር ከኣ ነቶም ኣብ ደንበ ለውጢ ዘለዉና ብደሆታት ክንሰግሮም ዘይምብቃዕና እዩ። እንተኾነ ግዜ ይነውሕ፡ ምስ ግዜ ምንዋሕ ከኣ ጸገም ህዝብና ዝያዳ ይስዕርር እምበር፡ ስዕረት ጉጅለ ህግዲፍስ ዘይተርፍ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ህግዲፍ እውን ለኪሙ ንክጠፍእ ደኣ የዕገርግር ኣሎ እምበር ዕምሩ ይሓጽር ከምዘሎ ከም ዘይስሕቶ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና።
ነቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ክንዕወት ዘይምኽኣልና ኣገራሚ ዝገብሮ ከኣ፡ እቶም ከይንዕወት ዓጊቶምና ዘለዉ ብደሆታት፡ ብቕንዕና፡ ብሓልዮትን ብትብዓትን እንተንብገስ መፍትሒኦም ኣብ ኢድና እንከሎ ምዃኑ እዩ። ብመንጽርዚ ክንዕዘቦ እንከለና፡ መድሃኒቱ ኣብ ኢድና ብዘሎ፡ በበይንኻ ኮይንካ “እህህ” ናይ ምባል ሕማም ኢና ንሳቐ ዘለና። እቲ ፍትን መድሃኒት እምበኣር ኩሉ ግዜ ከም እንጠቕሶ፡ ኣብ ፖሊሲ ፍልልያዊ ሓድነት ረጢብካ፡ ዘራኽበካን ዘየራኽበካን ኣነጺርካን ቀዳምነታትካ ሰሪዕካን ምጽውዋርን ምክእኣልን ዓጢቕካ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ሰሪዕካ ንቕድሚት ምስጓም እዩ። ናይዚ መድሃኒት ፍቱንነት ኣባና ዝጅምር ዘይኮነ፡ ብመጽናዕትን ምምርማርን ዝተደገፈ ብናይ ብዙሓት ወገናት ተመኩሮ ተፈቲኑ ዘድመዐ እዩ።
ናብዚ ፍቱን መዋጸኦ ዝበልናዮ ክንበጽሕ ኣካላዊ ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ከነጥሪ ናይ ግድን የድልየና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ተቐራሪብካ፡ ምልዛብን እሂንምሂን ምብህሃልን መተካእታ ዘየብሉ ኣገባብ እዩ። ተመዓዳዲኻ ቅኑዕ እዩ እትብሎ ሓሳብ ክትህብ እምበር፡ ናይ ካለኦት ብዘይ ብኣታቶም ዘይኮነልካ፡ ንሳቶም እውን ብዘይበኣኻ ዘይኮነሎም መኻይድኻ ሓሳብ ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን ክሳብ ሎሚ ኣየዕወተናን። ሎሚ እውን በዚ ዘየዕወተና መንግዲ ክንቅጽል ኢና እንተ ኢልና ከኣ ጉልበትን ግዜን ካብ ምብኻን ሓሊፍና እነምጸኦ ለውጢ የለን። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዕዘቦ ዘለና፡ ንሓሳብካ ምሃብን ናይ ካለኦት ሓሳብ ምቕባልን ናይ ምምጥጣን ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ተስፋ ዝህብ ምድምማጽን ምቅርራብን ዝንባለ፡ ዳርጋ ኩሉ ክበሃል ይከኣል ብመንገዲ ዘመናዊ ስልጣነ ዝወለዶ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝካየድ ልዝብ ዝተጠርየ እዩ። ብኣካል ዘይፋለጡን መልከዖም ዘይረኣኣዩን ሰባት ብዛዕባ ኣዝዩ ወሳኒ ህዝባውን ሃገራውን ዛዕባ ምዝርራብ ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ዝግበር ዝርርባት ብምስሊ ናይ ምስናዩ ፈተነታት እውን ንዕዘብ ኢና። እዚ ሳላ ዘመናውነት ዝረኸብናዮ ዕድል ኣዝዩ ዝነኣድ ዘበን ዘምጸኦ መዋጸኦ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስ ኩልቲ ኣበርክተኡ ክንዲ ብኣካል ተራኺብካ እንዳተረኣኣኻ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓዊስካ ምዝታይ ከምዘይከውን ግና ብሩህ እዩ። እቲ ብሰንኪ ኣተሃላልዋና ዘጋጥመና ብደሆ ከኣ ኣብዚ ይንጸባረቕ። ብዙሓት ናይዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣካላት፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጠለባቶም ንምምላእ ኣብ ስረሓት ስለ ዝጽመዱ፡ ክንድቲ ዝደልይዎ ኣብ ቃልሲ ዝውዕል ግዜን ንዋትን ክምድቡ ዝጽገሙ ምዃኖም ከኣ ነቲ ብኣተሃላልዋና ዝፍጠር ብደሆ መሊሱ ዘራጉዶ እዩ።
እዚ ዘመናዊ ናይ መራኸቢ ጥበብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዘለዎ ዘይተመጣጠነ ዝርጋሐን ጽሬትን እውን ኣብ ኣድማዕነት ናይቲ ዝግበር ርክባት ናቱ ተጽዕኖን ብደሆን ኣለዎ። እቶም ተጠቀምቲ ናይዚ መራኸቢ ሜላ፡ ብዛዕባቲ መራኸቢ ዘለዎም ብቕዓትን ኣፍልጦን ዘይተመጣጠነ ምዃን እውን ከምኡ ተጽዕኖኡ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ረቂቕ መራኸቢ ከልምዓካ ኮነ ከጥፈኣካ ዝኽእል ርቀት ዘለዎ ኮይኑ፡ ዝሓቶ ወጻኢ እውን ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ካልእ ብደሆኡ ከኣ ከምቲ “ርሑቕ ዓዲ መሕሰዊ” ዝበሃል፡ ርሑቕ እንከለኻ ኣብ ቀረባ ከም ዘለኻ፡ ውሑዳት እንከለኻ ብዙሓት መሲልካ ብምቕራብ ዘይኮንካዮ ኮይንካ ንምቕራብ ዕድል ዝኸፍት ብምዃኑ’ውን ሃስያ ኣለዎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ነቲ ዘለናዮ ኣጸጋሚ ኣተሃላልዋ፡ ብናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ካብ ምብዳህ ሓሊፉ ካልእ መተካእታ የብልናን።
ዓመት 2019 ኣብ እንዛዝመሉ ዘለና እዋን፡ ህይወት ብጻይና ተጋዳላይ ገብረመድህን ዘገርግሽ ሹምሓላል፡ እውን ከም ዝዛመት ብመሪር ሓዘን ተረዲእና። ብጻይና ገብረመድህን፡ ኣብ ብሕማም ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ዓሪፉ።
ተጋዳላይ ገብረመድህን ሹምሓላል፡ ካብ 60ታት ኣትሒዙ ብረት ዓጢቑ እናተቓለሰ እንከሎ፡ ካብ ኣካላቱ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኣዒንቱ ዝኸፈለ ተባዕ ተቓላሳይ እዩ። ኣብ ስደት እውን እንተዀነ ስንክልናኡ ከይዓገቶ፡ ዓይነ ስዉር ከይኑ ናይ ሙዚቃ ትምህርቱ ዘጠናቐቐ፡ ወናም ኣርቲስት ኰይኑ ድማ ንህዝቡ ዘገለገለ ሕቡን ኤርትራዊ እዩ። ሞያኡ ንፍትሒን ንዲሞክራስን ኮታ ንምሉእ ኣካላዊን ኣእሙራውን ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ወፍይዎ።
ኣብ ውድባውን ህዝባውን ኣጋጣሚታት፡ ኣብ መላእ ኣመሪካን ካናዳን ጥራይ ዘይኰነ ምስቶም ዘይሕለሉ ወናማት ብጾቱ ክሳብ ኤውሮጳ እናገሸ ፈስቲቫላትን ጉባኤታትን ብሙዚቓ ዘአንገደ ምዑት ተቓልሳይ እዩ።
ብጻይ ሸምሓላል ህይወትካ ብመላኡ ምእንቲ’ቲ ክቡርን ቅዱስን ዕላማ ከፊልካዮ። ምስ ስንክላናኻ ስድራቤትካ ኣሚቕካ፡ ብጾትካ ኣሐጒስካ ሓሊፍካዮ ኢኻሞ ንሕና ሰዲህኤ ብጾትካ ብኣኻ ሕቡናት ኢና። ተመስገን። ጻማ ገድልኻ ድማ ካብ ኣምላኽ ተቐበል።
ነፍስካ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ።
ስድራ ቤትካን መላኣ ቤተሰብካን ፈተውትኻን ድማ ጽንዓት ይሃቦም።
ክንዲ፡ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
"ከፊኡና ኣሎ! ለውጢ ክመጸልና ኣብ ውጻኢ ካብ ዘለዉ ደቅና ኢና ንጽበ" ኣብ ውሽጢ ካብ ዘለዉ ዝስማዕ ዘረባ።
" ኣብዚ ኮንኩም እትገብርዎ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ እተስምዕዎ ጭርሖታት ሓንቲ ኣይገብርን ኢዩ፡ ብኣኹም ዝመጽእ ለውጢ የለን። ለውጢ ካብ ውሽጢ ኢዩ"። ኣብ ዲያስፖራ ብዘለዉ ዝስማዕ ዘረባ።
እዚ ኣበሃህላታት'ዚ፡ ኩሉ ሸነኽ፡ ንግደታቱ ንዒቑ ወይ ውን ረሲዑ፡ ካብቲ ካልእ ሸነኽ ተጸባይ ክኸውን ዝገበር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና ነናቱ ብርታዐን ነናቱ ድሩትነትን ኣለዎ። ብምኽኒያት ዘለዎ ድሩትነት ግን፡ ለውጢ ብኻልእ ከመጸሉ ክሓስብን ክጽበን የብሉን። ኣብ ድያስፖራ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ለውጢ ብኣና ኢዩ ዝመጽእ ኢሎም ክኣምኑ ኣለዎም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ’ውን ለውጢ ብኣና ኢዩ ዝመጽእ ኢሎም ክኣምኑ ኣለዎም። ነዚ እምነት'ዚ ዓቲሮም ኣብ ዝቃለስሉ መስርሕ ኢዩ ድማ፡ እቲ ምምልላእ፡ መላግቦታትን ድንድላትን ክፍጠር ዝኽእል።
ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ቃልሲ ከም መቃላጠፊ ( catalist) ጥራይ ዝኾነ፡ እቲ ወሳኒ ግን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ይስማዕ ኢዩ። እዚ ብመጽናዕቲ ዝተበጽሐ መረዳእታ እንተኾይኑ ቅቡል ኣበሃህላ ኢዩ። እንተዘይኮይኑ ግን፡ ንግደ ዲያስፖራዊ ሓይሊ ኣናኢሱ፡ ተጸባያይ ከይገብሮ ዘሰክፍ ኢዩ።
ኣብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና፡ ኣብ ቃልሲ ለውጢ ሓያል ጎድንታትን ድሩትነታትን ኣለዎ። እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር’ውን ከምኡ። ነዚኦም ሓደ ብሓደ ኣውጺእካ ድሕሪ ምጽንዖም ተራ ናይ ዲያስፖራዊ ሓይሊ ኣብ ለውጢ ክልለ ይከኣል ኢዩ።
ተራ፡ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ በቲ ውሽጣውን ግዳማውን ትሕዝቶታት ኣብ ሓደ ነገር ኣብ ምውሳን ዘለዎም ግደ ክጥመት ዘለዎ ኣይኮነን። ኢርትራዊ ዲያስፖራ ከም ግዳማዊ ትሕዝቶ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድማ ከም ውሽጣዊ ጥሕዝቶ ቆጺርካ፡ ብስነ- መጎት እቲ ወሳኒ ኣብ ምዕባለ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ስለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ወሳኒ ኢዩ ናብ ዝብል ምብጻሕ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ከንጸባርቕ ዝኽእል ኣይኮነን።
ብመሰረቱ ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝህልዎ ጽልዋ ከም ናይ ግዳማዊ ሓይሊ ግደ፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድማ ከም ናይ ውሽጣዊ ሓይሊ ግደ ጌርካ ምውሳድ ልክዕ መሲሉ ኣይረኣየንን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ወሳኒ ሓይሊ ናይ ምዕባሌኡ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ይነብር ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ምዕባለ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን (ዲያስፖራ) ተዘርጊሑ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። ብመሰረት ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ፡ ርሕቀቱን ቅርበቱን ፍሉይ ኩነታቱን ድማ ተራኡ ኣብ ለውጢ ክበዝሕን ክንክን ይኽእል።
ኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ኣቀላጣፊ ለውጢ ( catalist) ጥራይ ዘይኮነስ ከም ዓቢ ተዋሳኣይ ለውጢ ዝኾነሉ ብዙሕ ምኽኒያታት ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር በዓል ጉዳይ ኢዩ። “ኣነ ባዕለይ ኣሎኹዎ ንስኻ ኣብኡ ጽናሕ” ዝብሎ ቅድሚኡ ንነብሱ ዝሰርዕ ኣካል የለን። እንተልዩ ብማዕረኡ ዝሰርዕ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
እንታይ ኢዮም እቶም ንኤርትራዊ ዲያስፖራ ከም ሓያል ሓይሊ ለውጢ ዝገብርዎ ረቓሒታት?
ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ ዋላ ዘይፍለጥ እንተኾነ ካብቲ 4 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ኢዩ። መብዛሕትኡ ናይዚ 30% ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ብዝሒ ከኣ መንእሰይ ኢዩ። መንእሰይ ድማ ሕኑን ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ።
ኤርትራዊ ዲያስፖራ ዘለዎ ዕድል ናይ ምንቅስቓስን ምውዳብን ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኣብ ዝበለጸ ቦታ የቐምጦ።
ናይ ርክብ መሳለጢታት ከም ድላዩ ክጥቀም ዘኽእሎ ኩነታት ምርካቡ። እዚ ውን ኣብ ዝሓሸ ቦታ የቐምጦ።
ብዙሓት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ሜዳታት ዝተማህሩ ኤርትራውያን ኣለዉ። እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ ምሁር ኤርትራዊ ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ ዘሎ። ምሁራት ኣብ ለውጢ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ኢዮም።
ኣብ ክብርታት ዲሞክራስን ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽበረለንን ዝዝውተረለንን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ባህላዊ ኣተሓሳስባኡ ዝሓሸ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንለውጢ ድሉው ኢዩ። እዚ ውን ሓለፋ ኢዩ ምስ ናይ ውሽጢ ኤርትራ ክዛመድ ከሎ።
ኤርትራዊ ዲያስፖራ ብቁጠባዊ መዳይ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለዎ። ቁጠባ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘለዎ ተራ ዓቢ ስለዝኾነ፡ ብክንዲቲ ዘሎካ ቁጠባ ኢዩ ፖለቲካዊ ውደባን ምንቅስቓስን ዝዓቢ። ዝርጋሐ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ንባዕሉ መኽሰብ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሰዓት ንሙሉእ ዓለም መልእኽትኻ ከተብጽሕ ትኽእል።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ገለ ካብቶም ሓገዝቲ ረቃሒታት ንኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ለውጢ ወሳኒ ዝገብርዎ ኢዩም
ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎ ወሳኒ ዝገብርዎ ምኽኒያታት ከኣ ንርአ።
እቲ ምልኪ፡ ጭቆና፡ ብልሹው ምሕደራን ኣደራዕን ብቀጥታ ዝወርዶ ህዝቢ ስለዝኾነ ክንድር ክቑጣዕ፡ በዚ ተላዒሉ ድማ ካብዚ ንክናገፍ ንለውጢ ክቃለስ ባህርያዊ ስለዝኾነ።
ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ስለዘሎ። እዚ ደምሲሱ ድማ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ዝርክቦ ስለዝኾነ።
ናይቲ ስርዓት ፡ መድባቱን ተንኮላቱን ንክፈልጥ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ።
እንተላይ ሰራዊትን ሓይሊ ፖሊስን ወሲኹ ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ስለዝርከብ፡ ሰራዊትን ፖሊስን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ጠጠው ክብሉ ዕድል ስለዝህሉ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ደላይ ለውጢ ዝግባእ ግደኡ ከይጻወት ዓበይቲ ብድሆታት ኣለዎ። እቲ ጨካን ስርዓት ንምውዳብን ንናጻ ምንቅስቓስን ዘፍቅድ ኣይኮነን። ብራዕድን ሽበራን ዝመርሕ፡ ቀንዲ ሓይሉ ድማ ኣብ ጸጥታን ስለላን ስለ ዝኾነ ንምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ ዘጻብብ ኢዩ። ናይ መራኸቢ ብዙሓን መሳለጥያታት፡ ኢንተርነታት ህዝቢ ከም ድላዩ ከይራኸበለን ኣዚየን ድሩታት ኢየን። ብቁጠባዊ ሕጽረታት ዝቦኩር ስራሓት ብዙሕ ከምዝኸውን’ውን ንምግማት ዘሸግር ኣይኮነን።
እምበኣር ኤርትራዊ ዲያስፖራ ኣብ ቃልሲ ለውጢ ተርኡ ንክጻወት ዘለዎ ዕድላት ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዝሰፍሐ ምዃኑን ኣድማዒ ግደ ክጻወት ከምዝኽእልን ኣቐሚጠ ኣሎኹ።
ካልእ ንጹር መረዳእታ ክግበረሉ ዘለዎ ሕቶ፡ ምስዓር ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ክበሃል ከሎ እንታይ ማለትና ኢዩ። ንኢስያስ ኣብ ዓዲ ሃሎ ከቢብካ ምሓዝ? ምቕታል? ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ቁጽጽር ኣእቲኻ፡ ብኣኣ ድምጺ ህዝቢ ምቕላሕ? ንሰራዊት ኣብ ትሕቲ ትእዛዝካ ምእታው? ወዘተ..... ብርግጽ እዚ ኩሉ መግለጺ ናይቲ ስርዓትን ስዕረት፡ ናይ ህዝቢ ዓወት ኢዩ። እዚ ክኸውን ከሎ ድማ ዝያዳ ኣተኣማማኒ ኢዩ።
ኣብ ውግእ ወይ ኣብ ቃልሲ ሓደ ተዓዊቱ ንክበሃል፡ ናይ ግድን ኣይኮነን ሰራዊት ጸላኢኡ ቀቲሉ ክጭርስ ወይ ነቲ መራሒ ጀነራል ክቕትል። ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓወተ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለዝተጨረሰ ወይ መንግስቱ ሃይለማርያም ስለዝተማረኸ ኣይነበረን። እታ ሓንቲ ምኽኒያት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክዋጋኣሉ ዘይክእል ኩነታት ስለዝኣተወን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ድማ ከም መራሒ ሃገር ኣብ ክመርሓሉ ዘይክእል ኩነታት ስለዝኣተወን ኢዩ ዓወት ተረጋጊጹ።
ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ክንስዕሮ ኢና ማለት ኢስያስ ኣፈወርቅን ተለኣኽቱን ንኤርትራ ክመርሕዋ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ኣእቲና ኩነታት ምቁጽጻር ኢዩ። ሕጂ ውን ኢስያስ ኩነታት ሃገር ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ እናኾነቶ ትኸይድ ከምዘላ እንዕዘቦ ዘሎና ኢዩ። ኤርትራ ናብ ተርታ ውዱቓት ሃገራት (failed states) ክትጽጋዕ ከላ ሃገር ይመርሕ ኣሎ ከብል ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ መረዳእታ ንኢስያስ ምውዳቕ ማለት ሃገር ክመርሕ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት ምብጽሑ ማለት ካብ ኮነ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ሓይሊ ነዚ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ።
ደለይቲ ፍትሒ፡ ዉልቀ-መላኺ ኣሰያስ ኣብ ኣዚዩ ዝግደሰሉ ቦታ ይነብሩ ከምዘለዉ ከስተውዕሉ ይግባእ። ስርዓት ኢሰያስ ብሰደድ ኣቑሑት (ኤክስፖርት) ጌሩ ዘእትዎ ወጻኢ ሸርፊ ውሑድ ኢዩ። ካብ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ክእክቦ ዝጸንሐ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሕጂ ድኣ ምስ ተቐባልነቱ እናጎደለ መጺኡምበር ቀሊል ኣይነበረን። ሓደ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ዘቤታዊ ፍርያት (GDP) ናይ ዓመት ኣብ ኤርትራ ካብ ኣብ ውጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ቤተ-ሰቦም ዝስደድ ገንዘብ ኢዩ። ብዘይዚ ንስድራቤታት ዝለኣኽ ሓገዛት፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣማሓድራ ኢሰያስ እንታይ ምመሰለት ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይከውንን።
ኢሰያስ ካብ መንግስታት፡ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላትን ማሕበራትን ብዝረኽቦ ሓገዛት ገይሩ ኢዩ፡ ዕድመ ጨቋኒ ስርዓቱ ዘናውሕ ዘሎ። ንኹሉ መናውሕ ዕድመኡ ዝኾነ ሓገዛት ክቑረጽ፡ ኣበየ ሃገሩ ዝነብር ደላይ ፍትሒ ክዓዪ ይግባእ። ኤምባሲታቱን ናይ ስለያ ትካላቱን ኣብ ዘይሰርሕሉ ኩነታት እንተበጺሖም፡ ኢሰያስ ኣብ ዲያስፖራ ተሳዒሩ ማለት ኢዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ሙሉእ ስዕረት ምልካዊ ስርዓት ምርግጋጹ ዘይተርፍ ኢዩ።
ብናይ ይኣክል ምንቅስቃስ ተጠራኒፉ ዝጉዓዝ ዘሎ ባይቶታት ንምንቅስቓሳትን መደባትን ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዲያስፖራ ንምስዓር ትልምታት ኣውጺኡ ክንከጥፍ ኣለዎ። ካብ ክሕዞ ዝግብኦ ትልምታት ድማ፡
ብቐዳምነት ድምጺ ይኣክል ንምስፋሕ፡ ጠጠው ዘይብል ብዝተፈላለየ መንገድታት ጎስጋሳት ምክያድ። ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ድምጺ ከም ዝኸውን ምግባር።
ካልኣይ፡ ኣብ ሃሃገሩ፡ ስርዓት ኢስያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ናብ ኩሉ ከምዝበጽሕ ምግባርን ምንቅስቓሳቱን መደባቱን ከምዝፈሽል ምግባር።
ሳልሳይ፡ ኣብ ቅድሚ ጽልዋ ኣለዎም ዝበሃሉ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ወጺእካ ኣውያት ህዝብኻ ምስማዕ
እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብፖለቲካዊ ውድባት፡ ጽላላትን ምንቅስቓሳትን ተጀሚሩ ዘሎ ብሓባር ኮይንካ ምድማጽ፡ ንተደላይነት ሓቢርካ ምስራሕ ኣጕሊሑ ዘርኢ ኢዩ። ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ክብ ኢሉ፡ ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻር ግደኡ ክጻወት ድማ ተስፋ ይግበረሉ።