ሃየ’ባ፡ ኢደይ ኢድካ ንበል

Saturday, 08 February 2020 11:33 Written by

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውጽዓ ኣብ ዝባን ኩልና ዝተጻዕነ ማዕረ ዘቐንዝወና ዕዳ እዩ። ካብዚ ቃንዛዚ ንምሕዋይ ከኣ ናይ ኩልና ተቐንዘውቲ ድሌትን ባህገን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መድረኻትን ክንገልጾ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ኩልና፡ ኩነታት በብዝፈቐደልናን በብዘለና ዓቕምን ምብርካት ዘይስገር ሓለፍነትና እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ኣተሃላልዋና ብበበዓይነቱ፡ ኣብ ዓዲ ዘለናን ኣብ ውጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለናን፡ ተቓወምቲ ናይቲ ምረት ወጽዓኡ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ኣብ ዓለምና’ውን ዝገነነ ጉጅለ ህግዲፍ ደገፍትን፡ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ኣካል ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በቲ ሓደ ወገን፡ ኣባላት ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀ ባእታታትን ከኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ተባሂልና ኣብ እንግለጸሉ ደረጃ ኣለና። ዝያዳ ዝርዝር እንተድልዩ እውን መንእሰያትን ዓበይትን፡ ኣብ ቃልሲ ሓደስትን ነባራትን፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን …… ወዘተ፡ እንበሃሃለሉ እውን ኣሎ። እዚ ምስቲ ናይ ሃይማኖት፡ ቋንቋን ባህልን ብዙሕነትና ወሲኻ ክረኣይ እንከሎ ኣዚና ሕብራዊ ኢና። እዚ ሕብራውነት ከኣ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ክቃነ ይግበኦ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝገልጽ ዝርዝር ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ፡ ልኡላዊት ኤርትራ ምዃና፣ ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ፍትሕን ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ኣብ ዝሰፈና ኤርትራ ተረባሕቲ ምዃና ከኣ ካብቲ ንኹልና ውጽዓ ዝመረረና ኤርትራውያን ሓደ ዝገብረና እዩ። ነዚ ንብዙሕነትና ዝገልጽ መንነትና ብግቡእ እንተዘየመሓዲርናዮ ናይቲ ኩልና ንርበሓሉ ዕድል ተጠቀምቲ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ብዙሕነትና ገላጺ መንነታና እንተዘይ ኣመሓዲርናዮ ምፍልላይና እዩ ዝሰፍሕ። ኣብ ምፍልላይ ከኣ ሓቢሩ ወፊሩ ከድምዕ ዝግበኦ ዓቕምን ጉልበትን እዩ ዘምክን። ስለዚ ካብዚ ንምድሓን ዓቕምና ኣሕይልና፡ ንዘፈላልን ዘሰማምዕን ኣሳኒና፡  ኢደይ ኢድካ  ክንበሃሃል ይግበኣና።

ኢደይ ኢድካ ዘይምብህሃል፡ ዓቕምና ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምድኻምና ዝረብሕን ከፋፊሉ ክገዝኣና ንዝሕልንን ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ እኩይ ኣካል ኣፍደገ ዝኸፍት’ውን እዩ። ንሕና እቶም ልኡላውነት ሃገርና ዓቂብና ካብ ወጽዓ ክንወጽእ እንቃለስ ዘለና ኢደይ ኢድካ ክንብል ኣብ ዘይበቓዕናሉ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ መንጐና ኣትዩ ንናእሽቱ ፍልልያትና ከተዓባቢ ከም ዝሰርሕ፡ ንኤርትራዊ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ዘይኮነ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ዝግንዘቦ እዩ። ካብዚ ሓደገኛ ፈላላይ ተግባራት ህግዲፍ ሓራ ክንወጽእ ከኣ፡ ብዛዕባ እንታይነቱ ብሱል ናይ ሓባር ተረድኦ ክንሕዝ ይግበና። ኣብዚ እዋንዚ ኣፍና መሊእና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳያስን ጉሒላ ጉጅለኡን ናቱ ከምዘይኮኑ፡ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ በጺሑ እዩ እኳ እንተበልና፡ ሳሕቲ ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ” ዝበሃል፡ ኣብዚ ተረድኦዚ ዘይበጽሑ ዝተደናገሩ ኤርትራውያ ወገናትና የለዉን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ረጊጾም “እዚ ሳብኣይ ጸይቅስ ጸይቂ እዩ፡ እንታይሞ ክንገብር ናትና’ዶ ኮይኑ” ዝብሉ፡ ነዚ ሓላፊ ዲክታተር ኢሳያስ ካብታ ነባሪት ልኡላዊት ኤርትራ ፈሊኻ ምርዳእ ዝተጸገሙ፡ ሓሓሊፍካ ምስማዕ ሎሚ እውን ኣሎ። እዚ ግና ንግዜኡ እምበር ዲጊም ኢሳያስ ኩለንተናኡ ህዝቢ ዘይስዕቦ ኣግላሲ መንገዲ መሪጹ ስለ ዘሎ ብኹሉ ፎእ ከም ዝበሃልን እቶም ቁንጣሮ ዘይቀበጽዎ’ውን ናብ ኣረዳድኣ ናይቶም ብዙሓት ከም ዝጽንበሩ ውሁብ ኡዩ።

እንተተዓዊቱ ኩልኻ እትጥቀመሉ፡ ግና ድማ በይንኻ ክትዓሞ ዘይከኣልካ ብደሆ ከጋጥመካ እንከሎ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ መዋጸኦ፡ በበይኑ ዝተበተነ ዓቕምኻ ኣራኺብካ ንኩልኻ ኣብ ዘርብሕ ውጽኢት ምብጻሕ እዩ። እዚ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ዘመናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ማእቶታዊ ባህልና እውን ሓሓደ ብዕራይ ዘለዎም ሓረስቶት ኣብዑሮም ኣላፊኖም በብታራ ሓሪሶም ክሓፍሱ ልሙድ እዩ። እዚ ኣብ ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምስራሕ ኣብነታዊ  እዩ። ካለኦት ባህላዊ ናይ ኢደይ ኢድካ  ወፈራዊ ስረሓት እውን ኣለዉና።  

ኣብቲ መስርሕ ኢደይ ኢድካ፡ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ተዋሳእቲ፡ ነናቶም ኣበርክቶ ኣለዎም። ኣብቲ ምውሳእ ክውገዱ ካብ ዝግበኦም ከኣ ሓደ ከበርክት እንከሎ እቲ ካልእ ተዓዛባይ ናይ ምዃን ዝንባለ እዩ። ኣብቲ ኣበርክቶ  ኩሉ ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ ማዕረ ዓቕሚ ይህልዎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ጸብለልታ ክህልዎ ይኽእል። ንኣብነት ኣብዚ ዘለና ኣተሃላልዋ እቶም ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን ተቓለስቲ ካብቲ ኣብ ውሽጢ፡ ዳርጋ ማሕዩር ክበሃል ኣብ ዝኽእል ኩነታት ዝነብር ዘሎ ህዝብና ዝሓሸ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብን ብጋህዲ ናይ ምውዳብን ዕድል ኣለና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ ውዑይ ዓቕሚ ዝውንን መንእሰይ፡ ነቲ ቃልሲ ንቕድሚት ኣብ ምስጓም፡ ዝዓዘዘ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይና ዝያዳ ኩሉ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ናይ ትምህርትን ሓዳር ምምስራትን ዕድላቱ መኺኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝሓልፎ ዘሎ ምክልባት ንኹልና ብሩህ እዩ።

ስለዚ መንእሰይና ዝያዳ ዝውጻዕ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብዚ ወጽዓዚ ንምውጻእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ  ዝያዳ ቀላሲ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ በዓል ሓድሽ ራእን ኣተሓሳስባን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ርጡብን ትካላዊ መስርዕን ረጊጹ ፈንጢሱ ንቕድሚት ክሓልፍ እምበር፡ ምስቲ ካልእ ክጸባጸብ ወይ ክተሃላለኽ ግዜኡ ከባኽን ኣይግበኦን። ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት እቲ መንእሰይ ነቲ ነባር፡ እቲ ነባር ከኣ ነቲ መንእሰይ ዝኸሰሉ፡ ልኡም ምስሕሓብ ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ግና ክልቲኡ ወገናት ተማላላእን ኣውራስን ወራስን ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ፡ ኣብ ህዱእ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኤርትራዊ መንእሰይ ዘተኣማምን ሰላምን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ወለዶታት እቲ ሓደ ኣብ ዘንበሮ እምነመሰረት እቲ ዝስዕብ እንዳወሰኸሉ ዝበርኸሉ መስርሕ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ፡ ነቲ ናይ ኣያታትቱ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ይህቦ ምህላዉ ብኣውንታ ክምዝገብን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ።  እዚ ህድኣትዚ ከኣ ንዝሓየለ እሂንምሂንን ኢደይ ኢድካን መንጠሪ ክኸውን ይግበኦ።

ደቂ ሃገረይ ኤርትራ፡  ሃገርና ኣብ ቀንዲ ክሳዳዊ ቦታ ተደኲና ብምርካባ ቆላሕታ መላእ ዓለምና ኣትያ ትርከብ። ነዚ ካብ ነዊሕ  ዓመታት ኣትሒዙ ንሃብታን ነቲ ክሳዳዊ ኣቀማምጣኣን እምበር ንህዝቢ ዝሓሊ መግዛእቲ ኣይነበረን። በስንኪ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ይኹን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ሃብታ ንምጉሕጓሕ ወይ ነቲ ህዝቢ ተደንቁር ወይ  ነቲ ህዝቢ ተጽንት ወይ ድማ ብዓሌት ብሃይማኖት ብኣውራጃ ትኸፋፍል። መግዛእቲ ከበሃል ከሎ ባዕዳዊ ይኹን ወዲ ሃገር ንኹለን እዩ ዝጥቀም።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መጀመርያ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ከምዘይኮነ ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ሓዳስ ውልዶ ሃገር ብምንባራ ግና ነቲ ግዝያዊ መንግስትነት ምቕባልና ቅኑዕ እምበር ጌጋ ኣይነበረን። ዝተጋገናዮ ነጥቢ እንተነበረ ግን እቶም ገባብል ልጓም ስለዘይገበርናሎምን በቲ ግብሪ ዘይብሉ ናይ ዘተስፉ ቃላት ብምምብርካኽናን እዩ። እቲ ትማሊ ንሃገርና ኤርትራ ሲንጋፖር ክገብራ ኢየ ክብል ከሎ፥ ህዝቢ ብተስፋ ሃንቀው ክብል ነይሩ ለካስ ንምጥፋእ መንእሰይ ኤርትራ ምዃኑ ተጋሂዱ። ናይ እቶም ኮለነላት፥ ጀነራላትን ካልኦት ሰብ መዓርግ ሕልና ድማ ቀንዲ ተግበርቲ እቲ እከይ ስራሓት ኢዮም ነይሮምን ኣለውን። ብፍላ ድማ እቶም ሚንስትራት ዝበሃሉ ስሉባት ልቢ፡  ሃገርና ናብ ጥፍኣት ገጻ ዘሕምብብ ውሳኔታት እናተዓዘቡ  ህዝብና እናተሳቐየ ከምዘይረኣዩ ምጽቃጦም  እዩ። ሃገርና ኤርትራ ሲንጋፖር ክትከውንስ ይተረፍ፡ ነቲ ዝነበረ ምዕብልናኣ’ኳ ክትዕቅብ ኣይከኣለን።  

ሃገርና ኣብ ክንዲ ትህነጽ እናባደመት፥ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ትስጉም እናንቆልቆለት፥ ኣብ ክንዲ ትብልጽግ እናደኸየት፥ መንእሰይ ከይመሃር እናኣደንቆረ ትጎዓዝ ዘላ ሃገርሲ እምበርዶ ንዕዘባ ኣሎና። ካብዚ ሓሊፉ ነንዝተወልዱ ዕሸላት ኣብ ወግሐ ጸብሐ ዝጽሕተር ውግኣት ብምእታው መንእሰይ እንዳጽነተ ዓይንና ሰም ኣቢልና ኣእዛና ውን ሓቲምና ንርኡይ ዝኾነ ከምዘይተገብረ ክንደፍን ከሎና ኣየሕዝነናንዶ። እዝስ ይትረፍ ደቅና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክርሸኑን፥ ክምቑሑን፥ ሃገሮም ጠንጢኖም ከርተት ዝብሉ ዘለዉኸ እንታይ ኮይኖም እዮም ኢልና ብደቅናኸ ዘይምሕሳብናን ምስትንታናን እንታይ ስለዝተረኽበ ኮን ይኸውን።

ኣብቲ ቀደም ወለድና ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ እኩይ ምሕደራ ክዝክሩ ከለዉ  ”ግዝኣት ቱርኪ” ብዝብል ኢዮም ዝገልጽዎ ነይሮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዝኣት ግን ንበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ውን እንተኾነ መዳርግቲ የብሉን። ወረ! ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዝበለ ጽልኢ ኣለዎ እዩ ክሳብ ክንድዚ ዘጋፍዖን ብኣፉ ዝሕዞን።  ከምነዚ ናይ ኤርትራ ኣየብልዕ ኣየምህር፥ ክቐትል እምበር ዘይምሕር፥ ሰብ ክጭነቕን ክሳቐን ደስ ዝብሎ ስርዓት እሞ ተራእዩ ኣይፈልጥን እዩ።

ካብ ኩሉ ኣዝዩ ዘስደምምን ዘደንጹን ናይ ዕለት 07-02-2020 መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት እዩ። ትማል ዶብ እንተዘይተሓንጸጸ ኢሉ ዘራፍ ዝብል ዝነበረ፥ ብዶብ ክንሓስብ ዘይኮነ ብኪኖ ዶብ ኢና ክንሓስብ ብምባል ጉስይዎ ሓሊፉ። ሎሚ ከኣ ንጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ዝሳቐዮን ዝዋረዶን ዘሎ ገዲፉ ጎረባብትና ከይረሃወን ሰላም ከይረኸባ ኤርትራ ውን ኣይርህዋን እዩ ብምባል ዳርጋ ኤርትራስ ክትፍለ ኣይነበራን ካብ ዝብል ዘይፍለ ገለጻ ምግላጹ እዩ። ኩነታት ሃገሩን ህዝቡን ኣብ መዓሙቚ ረቕሪቑ ፍታሕ ዘይብሉን፥ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ቅዋም ዘይብሉን ዕላዊ መንግስቲ ዘይኮነንሲ ብዛዕባ ሽግር ኢትዮጵያን ሱዳንን ክፈትሑ እንታይ ክኽተሉ ከምዘለዎም ምሂሩን መምርሒ ሂቡን። 

እዚ ስርዓት እዚ ክሳብ ክንድዚ ዲዩ ንህዝቢ ንዒቑ። ንሕና ህዝቢ ኤርትራኸ ኣብ ደገ ዘሎና ይኹን ኣብ ውሽጢ፡ ነዚ ኩሉ ስቓይን መከራን ከም መዓርን ጸባን ዲና ቆጺርናዮ ወይ ዘይሕመናን ዘይርደኣናን እዩ ኮይኑ። በዚ ንሕስያ ዘይብሉ መላኺ ስርዓት ንዕስራን ትሽዓተን ዓመታት ዝኣክል ዓመት መጸ ናይ ሓሶትን፥ ምድንጋርን ኣጉል ተስፋ ክዝህቦ ዝጸነሐ ዲና “ሎምዘበንስ ክሓልፈልና እዩ” እናበልና ንጥበር። ነዚ ኩሉ ግፍዒኸ ብደሓን ካብኡ ኣይኽፋእ ዲና ክንሓልፎ። ካብዚ ዝኸፍእ ብትዕግስቲ ክንጽበ ማለት ድዩ። ኤርትራዊ  ስደተኛ ሃገር ከምዘይብሉ ክሳቐን ክእሰርን ክቕተልን ከሎ ዝሓተሉ መንግስቲ ዘየለ እንታይ መንግስቲ ክበሃል ይከኣል። ወረ! እንታይ ዓዚሙና ኢዩ ካብዚ ንላዕሊ መከራን ኣደራዕን ፍትሒ ኣልቦን ኣሽካዕላልን ክሳብ መኣስ ኢና እንጽመሞ ዶስ ዘይሕመና ወይ ዘይርደኣና ኢዩ ኮይኑ?

6 ፌብሩወሪ 2020

ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን

ዳይረክተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣምባሳደር ራሻድ ኣልፋራጅ፡ መራሒ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ምርኻቦም ብምቅዋም ስልጣኑ ገዲፉ።

ኣምባሳደር ራሻድ ኣልፋራጅ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኡጋንዳ ታሪኻዊ ዝተብሃለሉ ዝርርብ ምስገበሩ፡ ነቲ ርክብ ብምቅዋም ናይ ስራሕ ምግዳፍ ደብዳበ ከምዘእተወ ኣል-ኣንቲባሃ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

ንፈጣሪኡ ተኣማኒ ከምዝኾነ ከረጋገጽ ከምዝደሊ ዝጠቐሰ እቲ ዳይሬክተር፡ ኣብ ምብራቓዊ እየሩሳሌም ዝርከብ እስላማዊ ቅዱስ ስፍራ መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ምስ ዝወረረት ሃገር መራሒ ዝተገበረ ርክብ ተቓዊምዎ።

መስጊድ ኣል-ኣቅሳ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን መልዐሊ ጎንጺ ካብዝኾኑ ጉዳያት ሓደ እዩ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳንን መራሒ እቲ ውድብ ዝነበሩን 'ውን ንርክብ ጀነራል ቡርሃንን ኔታንያሁን፡ ሱዳናውያን ከምዘይደልዩዎ ብምግላጽ ነቒፎምዎ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ግን፡ ርክብ እቶም መራሕቲ ብዘየገድስ፡ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ዘለዋ መርገጺ ከምዘይቅየር ሓቢሩ ኣሎ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/51400845

“ንጽባሕ ዝብል ኣየጽበሓሉ” ዝብል ኣበሃህላ ልሙድ እዩ። ናይዚ ምሳልያዊ ኣበሃህላ መልእኽቲ፡ ሎሚ ክዕመምን ክትግበርን ዝግበኦ ብዘይወዓል ሕደር ሎሚ ክፍጸም ኣለዎ ንምባል እምበር፡ ንናይ ጽባሕ ግደን ሓላፍነትን ንምጉሳይ ወይ ንምንእኣስ ዝበሃል ኣይኮነን። ከምቲ ብዛዕባ ሎሚ ክንሓስብ እንከለና፡ ንትማሊ ጠሪስና ክንርሰዖ ዘይግበኣና፡ ብዛዕባ ሎሚ ክንሓስብ እንከለና ብዛዕባ ጽባሕ እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ኣብ መንጎ፡ ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘለና ኣድህቦ ከነመጣጥን ክንበቅዕ ዝግበኣና ምዃኑ እዩ። ዝያዳ ናብ ትማሊ እንተ ኣዛዚና፡ ኣብ ዝሓለፈ ክንነብር ኢና። ኣብ ሎሚ ጥራይ እንተ ኣድሂብና ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ደውታ ንኸውን። ብዛዕባ ጽባሕ ጥራይ እንተ ኣድሂብና ከኣ ተመነይቲ ጥራይ ኮይና ክንተርፍ ንኽእል። ብዛዕባ ኣገዳስነት ኣብ ሎሚ ኮይንካ ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ “ብናይ ትማሊ ድኽመት ጥራይ ከማርር ወይ ብዛዕባ ናይ ትማሊ ኣውንታ ጥራይ ክሕበን ዝነብር፡ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዘየብሉ እዩ” ዝበሃል ከኣ ነዚ ንምብራህ እዩ።

ጽባሕ ካብ ትማልን ሎምን ዝሓሸ ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ካብ ክልቲኡ ናይ ምምሃርን ምሙኳርን ዕድል ስለ ዘለዎ። ንሕና ከም ናይ ለውጢ ደንበ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንድህስስ እንከለና፡ ናብ ድሕሪት ኣርሒቑ ክወሰድና ሰለ ዝኽእል፡ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጥራይ’ኳ እንተዳህሰስና፡ ብዙሕ ዘጣዕሰና ሕጽረታትን ዝሓለፈና ዕድላትን ክንረክብ ንኽእል። እዚታት ኣካል ናይቲ ዝሓለፍናዮ ጉዕዞ ስለ ዝኸነ ሓጢጥና እንድርብዮ ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ካብኡ ክንመሃር እሞ ሎሚ ኮነ ጽባሕ ከይንደግሞ ጥራይ ኢና ክንጥንቀቕ ዝግበኣና። ናይ ትማሊ ተመኩሮና ሓኺኽካ ብምልኡ ኣሉታዊ  ጥራይ ነይሩ ኢልካ እትጉሕፎ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዘይኮነ ኢና ከኣ ክሳብ ሎሚ ምስ ኩሉ ሓጐጽጐጽ ኣብ መስመር ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ቀጺልና ዘለና። እቲ ምቕጻልና ትርጉም ዘለዎ ምቕጻል ክኸውን ከኣ ካብቲ ቆላሕታ ክንህቦ ዝግበኣና ዕማም ካብቲ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ተመኩሮና ምምሃር እዩ። ስለዚ ነቲ ዓበይቲ ናይ ትማሊ ሕጽረታት እንዳወገድና፡ ነቲ ናእሽቱ ኣብ ክሳብ ሕጂ ምቕጻልና ግደ ዘበርከተ ኣውንታታት ዝያዳ ከነዕኩኾን ከነማዕብሎን ክንቃለስ ይግበኣና።

ኣብ ታራ ናይ ኣጋር  ጉዕዞ እኳ፡ ደኒንና መሬት እንዳረኣና ኣይኮናን እንኸይድ፡ ኣብ ክንድኡ ንቕድሚትን የማነ ጸጋምን ኣንዊሕና ኣማዕዲና እንዳጠመትና፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክንሓልፎ ከም ዝግበኣና፡ ብሓሳብ እንዳወገንናን መማረጽታት እንዳ ኣስፈርናን ኢና ንኸይድ። ከምኡ እንተዘይገርና ግና ምስ ኣቐዲምና ዘይረኣናዮ ዕንቅፋት ተላቲምና ናይ ምውዳቕ ዕድልና ሰፊሕ እዩ። ኣንዊሕካ ናይ ምጥማት ጠቕሚ ከኣ ካብ ኣብ ዘይሓሰብካዮ ምውዳቕ ሓደጋ የድሕነና። እዚ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ ምስርሕ እቲ ዝኸበደ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ዘሎ ምምሕዳር ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ከጋጥም ዝኽል ከሎ ጌና ክትእምት ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

ሎሚ ብጉዳይ ፖለቲካ ሃገርና ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ እንዳ ገዛኢ ጉጅለ ህግዲፍ ኮነ፡ ኣብቲ እንዳሓደረ ዝልብም ዘሎ ደንበ ተቓውሞና ብዙሓት ምዕባለታት ኣለዉ። ብትሕዝተኦም ከኣ ተጻረርቲ እዮም። ምዕባለታት ኣብ እንዳ ገዛኢ ጉጅለ ህግድፍ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓ ከይኣክል፡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታውን ንህዝቢ ተስፋ ናይ ምቑራጽን ምልክታት እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ደንበ ለውጢ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምብትታንን ምንጽጻግን ተማሂርካ፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ናይ ሓባር ዓቕሚ ናይ ምድላብ ድልዉነት ኢና ንዕዘብ ዘለና። እዚ ትስፉው ምጽልላም፡ ምንጽጻግን ምርሕሓቕን ዘወግድ ዘሎ ምዕባለ ደንበና ሎሚ ዝስራሕ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ትማሊ ተመኩሮ ዝሃብተመ ጽባሕ ከኣ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ዝረግጽ እዩ።

ሎሚ ማእከላይን ቀዳማይን ዕማም ሓይልታት ለውጢ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድን ተሳትፎ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ መስርሕ ለውጢ ምውሓስን እዮም። ኣብዚ እነድምዕ ከኣ ካብ ናይ ትማሊ ጉዕዞና ተመኩሮ ብምድላብ እዩ። ተመኩሮ ምድላብ ክንብል እንከለና፡ ነቲ ትማሊ ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ከይነዕውት ክዕንቅፈና ዝጸንሐ ግጉይ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ዘይምድጋሙ ማለት እዩ። እዚ ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ውድባት ሰልፍታትን ማሕበራትን ክምዕብል ዝግበኦ እዩ። እዚ ክንብል እንከላና ግና ንጽባሕ ረሲዕና ኣብ ትማልን ሎምን ጥራይ ነኹድድ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ጭቋንን ብክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝዋገን ጉጅለ ምስ ኣወገድና፡ “ከመይ ዝኣመሰለት ኤርትራ ኢና ክንሃንጽ” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮና ቦታ ኣይህልዎን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሎሚ ኮይና ክሳብ ጽባሕ ኣንዊሕና እንተዘይጠሚትና እሞ ቃልስና “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” እዩ ክኸውን። እቲ ቀንዲ ውሕልነት እምበኣር ኣብዚ ሰንሰለታዊ መስርሕ ቃልሲ፡ ንትማሊ፡ ንሎምን ጽባሕን እንህቦ ኣድህቦ ተመጣጣኒ ክኸውን ይግበኦ። ኣብቲ መስርሕ እቲ ቀላሲ ሎሚ እነካይዶ ፍጻመ ኮይኑ፡ ንናይ ትማሊ ተመኩሮ፡ ብፍላይ ከኣ ንናይ ጽባሕ ውጥን ግቡእ ቀልቢ ዝህብ ክኸውን ይግበኦ። ናይ ሎሚ ቀዳማይ ሓላፍነትና ምውጋድ ጭቆና ህግዲፍ እዩ። እቲ ናይ ጽባሕ ንልዕልናን ወሳንነትን ህዝቢ ቅድሚት ዝሰርዕ ብሕገመንግስቲ ዝግራሕ ብዙሕነታዊ መተካእታ ንምዱኳን ከኣ ምስ ምውጋድ ጨቋኒ ጉጅለ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ እዩ። እምበኣር መተካእታ ንምዱኳን፡ ምውጋድ ጭቆና ኣብ ኤርትራ ዘይስገር ቅድመ-ተደላይነት እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ንቕሎናን ተበግሶናን ቀዳምነት ክንህቦ ዝግበኣና እዩ።

"ይኣክል" ጭርሖ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ ቃልሲ መዓስ ተጀሚሩ መዓስ'ከ ክውዳእ ኢዩ ኢልካ ምሕታት የዋህነት ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ቃልሲ በቢእዋኑ ኣብ መስርሑ ብርክታት እናገበረ ስለዝጎዓዝ በቢብርኩ ክትዛረበሉ ስለ ዝከኣል ኣብቲ ደሚቑ፡ ከም ማዕበል ኮይኑ ዝተራእየሉ እዋን፡ ብዝረኸቦ ቆላሕታ ከም ሽዑ ዝጀመረ ከምስሎ ስለ ዝኽእልን እቲ ሕቶ ምኽንያታዊ ኢዩ ዝኸውን።

ዝደፍኦ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ ከም ማዕበል፡ ብዝለዓለን ብዝሰፍሐን መልክዑ ናይ ይኣክል ድምጺ ዝተጨደረሉ መድረኽ፡ ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ ብርኪ ናይ መስርሕ ቃልስና ክውሰድ ይኽእል ኢዩ። እዚ ንደረጃ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዘሰጋገረ ናይ ቃልሲ ተርእዮ ብዝተፈላለየ ዓይኒ ክጥመት ኣኽኢሉ ኢዩ።

ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዓቢ ራዕድን ፍርሕን ፈጢርሉ። ንክቕህሞ ድማ ኩሉ ዓቕሚታቱ ኣዋፊርሉ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ንኣብ ስቓይ ዝነብር ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ለውጢ ዘሕደረሉ፡ ከይዳኸምን ትዓዊቱ ክወጽእን ብሃንቀውታ ዝጸበዮ ዘሎ ኢዩ። ነቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ዝነበረ ነባር ሓይልታት ድማ ተወሳኺን ወራስን ሓይሊ ብምርካቡ ከም ዓወት ዝቖጸረሉ ኢዩ።

ማዕበል ይኣክል ብዙሓት ክምለሱ ዝግብኦም ሕቶታትን ብድሆታትን ሓቑፉ ምምጽኡ ግን ኣይተረፎን።

ገለ ሸነኻት፡ ንማዕበል ይኣክል ንናቶም ጥሙሓት ፖለቲካዊ ስልጣን ንምርግጋጽ ክዝውርዎ ዝሓስቡ ኣይተሳእኑን፥

ገለ ሸነኻት ድማ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሕሳባቶም ወጻኢ ኮይኑ ስለዝተራእዮም እቲ ማዕበል ንሳቶም ብዝቆጻጸርዎ እንተዘይኮይኑ፡ ከይስስን ዝደልዩውዎን ኣማዕድዮም  ዝጥምትዎን ተራእዮም።

ካልኦት ውን፡ ንማዕበል ይኣክል ከም ንብረቶም ብምቑጻር ንነባራት ተቓለስቲ ክሕውሱ ዘይምድላይ መንፈስ ኣርእዮም።

ብኣንጻሮም ድማ፡ ኣብ ማዕበል ይኣክል ዝተዋሰኑ ኮይኑ ዝስምዖም ብስግኣት ዝጥምትዎ ሸነኻት ወዘተ... ዝዓይነቶም ኣካላት ተኸሲቶም ኢዮም።

ማዕበል ይኣክል ብፍሉይ ኣጋጣሚ ተበራቲዑ ከም ዝመጸ ተርእዮን ደምበ ፍትሒ ድማ ኣብ ሓድሕዱ ስጥመትን ምርድዳእን ኣብ ዘይውንነሉ ኩነታት ብምንባሩ፡ እዚኦም ክኽሰቱ ዘይንቡር ኣይነበረን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ዝኸውን ግን፡ ናይዞም ስምዒታት'ዚኦም ጠንቂ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕቶታታት ኣለሊኻ ምምላስ ኢዩ። ነዚ ሕቶታት'ዚ ንምምላስ ድማ፡ ኩለን ኣብ ሃሃገሩ ዘለዋ ባይቶታት ይኣክል ብዕቱብ ክሰርሓሉ ይህልወን። ነዚ ሕቶታት'ዚ መሊሰንን ኣብሪሀንን ኣብ ስራሕ ዝኣተዋ ባይቶታት ህሉዋት ከም ዘለዋ’ውን ምዝካር ዘድሊዮ ኢዩ።

ካብቶም ድርኺት ናይዚ ዝተፈላለየ ኣጠማምታ ክህልዉ ዘኽእሉ፡ ምብራህ ካብ ዘድሊዮም ገለ-ገለ ሕቶታት ነዚኦም ምጥቃስ ይከኣል።

1/ ናይ ዋንነት ሕቶ፡ ይኣክል ናይ መን ኢዩ?

2/ ዕላማ ይኣክል እንታይ ኢዩ?

3/ ውደባ ዝምልከት ሕቶ፡ ይኣክል ፖለቲካዊ ውድብ ዲዩ ምንቅስቓስ?

4/ ናይ ቅርጻ ዝምልከት ሕቶ፡ ናይ ይኣክል ቅርጻ ከመይ ይኹን?

5/ ይኣክል፡ ግደኡ ኣብ ለውጢ?

6/ ይኣክል ክሳብ መዓስ'ዩ?

እዞም ሕቶታት'ዚኦም መሰረታዊ ሕቶታት ስለዝኾኑ፡ ዕቱብ ምይይጥን ዘተን ተኻይድሎም ክውገኑ ዝግብኦም ኢዮም። ኣነ ብዝርድኣኒ ሓሳበይ ከቕርብ እንተኾይነ ግን፡ ይኣክል ናይ መን ኢዩ? ንዝብል ሕቶ፡ ማዕበል ይኣክል ናይ ህዝቢ ድምጺ ኢዩ። በቢቦትኡን በቢግዚኡን እናተዋህለለ ክመጽእ ዝጸንሐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝፈጠሮ ማዕበል ኢዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ዝተፋላለየ መድረኻት መስርሕ ቓልስና ክግበር ዝጸንሐ ናይ ተቓውሞ ድምጽን ምንቅስቓስን ዝሕግዞ ኣጋጣሚ ረኺቡ ዝተፍጥረ ህዝባዊ ባርዕ ኢዩ። እኩብ ድምር ናይቶም ብጊሓቱ ንመንነት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፈሊጦም ዝተቓለሱን ስዒቦም ንመንነቱ ኣለሊዮም ይኣክል ዝበሉን ኢዩ። እዚ እናተደራረበ ዝኸይድ ኣገባብ'ዚ ሒዙ ይጎዓዝ ብምህላው ኢዩ ድማ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ መላእ ህዝቢ ዝዋደቐሉ ዝገብሮ።

ብንጽር ዝበለ፡ ማዕበል ይኣክል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተጸናበሩ፡ ካብ ሰለስተ ኣመጻጽኣ ኣቕጣጫ ዘለዎም ወሓይዝ-- ውዱባትን ዘይውዱባትን ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተዋህሊሉ ዝቖመ ህዝባዊ ማዕበል ከም ዝኾነ ክምስከር ይክኣል ኢዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ካብ ምትካሉ ኣትሒዞም፡ ንህዝብን ዓለምን እናኣሰምዑ ዝመጹ፡ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ኣካል ናይ ማዕበል ይኣክል ኢዮም።

ኣብ ሰውራ ዝተኣትወ መብጽዓ ክጥለም ምስ ረኣዩ፡ ነዚ ኣይነበረን ዝተቓለስናዮን መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን ብምባል ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃለሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ካልእ ኣካል ናይ ማዕበል ይኣክል ኢዮም።

ንሕሰምን ስቓይን ህዝብና ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ምኽታቱ ከይኣኽሎ፡ ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ብምእታዉን፡ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ መንነት ውሕስነቱ እናተባሕጎገ ይኸይድ ምህላዉ ብምርኣዩን ነዚ ብቁጥዐን ነድርን ንክቃወም ዝተበገሰ ሰፊሕ ሓይሊ ሳልሳይ ኣካል ናይ ማዕበል ይኣክል ኢዩ።

ማዕበል ይኣክል በዞም ነንሕድሕዶም ዝመላልኡ ሰለስተ ነናቶም ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዘለዎም ሸነኻት ዝቖመን ሓደ ዕላማ ዘለዎ ተርእዮ ኢዩ።

2/ ዕላማ ይኣክል እንታይ ኢዩ?

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ማዕበል ይኣክል፡ ዝተፈላለየ ኣመጻጽኣ ብዘለዎም ሸነኻት ዝቖመ ኢዩ። ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ደገፍቲ ናይ ህግደፍ ኮይኖም ዝጸንሑ ውን ዝተጸንበርዎ ኢዩ። ኩሉ ኣብ ማዕበል ይኣክል ዝተሓቑፈ ኩነታት ሃገርና ክልወጥ ይደሊ ኣሎ። ኩሉ ዝሰማማዓሉ ዝተሓተ ኣናብባኡ ኣብ ለውጢ ድማ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ተቐይሩ ኣብ ክንድኡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ኢዩ። ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነት ምውሓስን ፍትሕን ደሞክራስን ንምንጋስን ኢዩ።

3/ ውደባ ዝምልከት ሕቶ

ማዕበል ይኣክል ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ሸነኻት ዝሓቖፈ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ብዙሕ መዳያት ክዓምም ዝኽእል ውን እንተኾነ፡ ብመሰረት ኣመጻጽእኡ ክረአ ከሎ ግን፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ከም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምቕያር ይዋሳእ። መተካእታ ንክኸውን ወይ ፖለቲካዊ ስልጣን ንክሕዝ ግን፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ መግለጺ ከውህቦ ዝኽእል መለለይታት የብሉን። መለለይታት ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ብዉሑዱ፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ /ፕሮግራም/፡ ውድባዊ-ቅርጻን ኣባልነትን ክህልዉ ኣለዎም።

4/ ቅርጻ ዝምልከት ሕቶ፡

ቅርጻ ናይ ሓደ ምንቅስቓስ በቲ ንሱ ክገብሮ ዝነቐለሉ ዕላማ ኢዩ ዝውሰን። ዕማማትካ ምስ እተስፍሖ  ብኡ መጠን ንቅርጻኻ እናኣማዕበልካዮ ክኽየድ ይከኣል ኢዩ።

ብመሰረቱ፡ ማዕበል ይኣክል ቦታዊ /local/ ስራሕ ማእከሉ ዝገበረ፡ ህዝቢ ኣላዓዒሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ቃልሲ ምዕዋት ኢዩ። እዚ ምንቅስቃስ'ዚ ብዓወት ክዛዘም ቀዳምነታት ብምስራዕ በቢደረጃኡ ዝዕየ መደባት ክሕንጽጽ ይህልዎ።

ንምንቅስቓሱ ዘስርሖ ቅርጺ ክገብረሉ ካብ ቀደምቲ ዕማማቱ ሓደ ኢዩ። እዚ ኣብ ሃሃገሩ ዝኸይድ ዘሎ ምምስራት ባይቶታት ይኣክል ነዚ ቀዳማይ ዕማም'ዚ ኣብ ምፍጻም ይኸይድ ኣሎ። ቅኑዕ መንገዲ ዝሓዘ ኣሰራርሓ ድማ ክበሃል ይከኣል። ድሕሪ ምምስራት ባይቶታት'ከ ናበይ? ዝብል ሕቶ ስዒቡ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። እቲ ቅርጻ ንትኹል /ንላዕሊ/'ዶ ወይስ ንጋድም ይኺድ?

እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ህዝቢ ንግዝኣት ምልኪ እምቢ! ይኣክል ንክብል ዘለዓዕል ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ንጋድም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ክሰፍሕ ዘለዎ ኢዩ። ኣብዚ፡ ኣብ ታሕቲ ገና ዓበይቲ ስራሓት ክስርሑ ኣብ ዝጽበይሉ እዋን ቅርጻታት ንትኹል ምህናጽ መስርዑ ዝሓለወ ኣይኮነን። ኣብ በቦትኡ ሓያላት ባይቶታት ምህናጽን ንህዝቢ ኣብ ክልታቶም ከምዝዓስሉ ምግባር፡ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ናይ ባይቶታት  ናይዚ እዋን' ዚ ቀንዲ ስራሓት ኢዮም።

5/ ማዕበል ይኣክል ገደኡ ኣብ ለውጢ

ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ስለዝኾነ ኣብ ለውጢ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ኣብ ዲያስፖራ ስለዝተበገሰ፡ በቲ ዲያስፖራዊ ሓይሊ ዘለዎ ተራ ኣብ ለውጢ ዝምዘን ኣይኮነን። ስፍሓቱ ኣብ ግዳም እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ናብ ውሽጢ ልሒሙ ንከይኣቱ ዝዓግቶ ሓይሊ ኣይህሉን ኢዩ።

ባይቶታት ይኣክል ኣብ ዘዘለዉዎ ንመሓውራት ምልካዊ ስርዓት ኣብ ክሰርሕሉ ዘይክእሉሉ ደረጃ ንምብጻሕ ክቃለሱ ኣለዎም። ኩሉ ኣብ በቦትኡ ነዚ እንተጌሩ፡ ተደማሚሩ ሞት ናይ ምልካዊ ስርዓት ከምጽእ ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ስራሕ ናይ ባይቶታት ይኣክል ኣብ ሃሃገረን ይኹን ድኣምበር፡ ኣብ መንጎ ሃገራተን ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ክገብራ ግድን ኢዩ። ነዚ ዘተሓባብራሉ ኣገባብ /መካኒዝም/ ድማ ምፍጣር የድሊየን።

6/ ምንቅስቓስ ይኣክል ክሳብ መዓስ ኢዩ?

ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል ብዙሓት ሸነኻት ተሓቑፎም ኣለዉ። ዝተወደቡ፡ ዘይተወደቡ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ሙያውያን ማሕበራት.... ወዘተ ኣትዮም ክዋስእሉ ዝኽእሉ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኢዩ። ዘሰማምዖም ዕላማ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣልጊስካ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ምትካል ኢዩ። እዚ ዕላማዚ ክሳብ ዝረጋገጽ ምንቅስቓስ ይኣክል ብዘለዎ መልክዕ ክቕጽል ኢዩ። እዚ ዕላማ'ዚ ምስ ተረጋገጸ ግን ሒዝዎ ብዝጸንሐ መልክዕ ክቕጽል ኣይክእልን። እቲ ዝመጽእ መድረኽ፡ ምስ ሓደስቲ ብድሆታት ስለ ዝመጽእ ካልእ መልክዕ ስርርዓት ዝጠልብ ክኸውን ኢዩ። ምንቅስቓስ ይኣክል ንብዙሓት ተቓለስቲ ከላሊ ስለ ዝኽእል’ውን፡ ኣብ መጻኢ  ዝዋሰኣ  ፖለቲካዊ ሰልፍታት  ኣብ ምቕራጽ ዓቢ ግደ ክህልዎ ክኽእል ኢዩ።

1 ለካቲት 2020

ሓርነት ሕታም 71

Sunday, 02 February 2020 07:07 Written by

ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ዝዳሎ  ዕላዊ  ልሳን

ቦሪስ ጆንሰን Image copyright Getty Images

 ድሕሪ ብረግዚት [ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት]፡ ብሪጣንያ ምስ ኣፍሪቃ ንግዲ ንምዕዛዝ ትደሊ ኣላ። ኣብ ለንደን፡ ብሪጣንያ-ኣፍሪቃ ናይ ንግዲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ልኡኽና ማቲው ዴቪስ፡ ናይ ብሓቂ ንኣፍሪቃ ዝኾኑ ሓደስቲ ዕድላት ኣለዉ`ድዮም ክብል ይሓትት።

ንግዲ ጥበብ/ብልሓት የድልዮ። ውዕላት ንግዲ ድማ ዝያዳ ጥበብ የድልዮም። ኣብ ውዕል ንኽትበጽሕ ዝግበሩ ዝርርባት ድማ ውሕልና ዘድልዮም ኣዝዮም ዝተሓላለኹ`ዮም።

እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ብረግዚት ድማ ብቕልጡፍ ይዛዘም ኣሎ።

ብሪጣንያ ለሎሚ ለይቲ መወዳእታ ጥሪ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ወጽአት ተመሊሳ ብሕግታት ዓለማዊ ውድብ ንኸይትቕየድ፡ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከስርሓ ዝኽእል ውዕል ክትነድፍ ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ኣብ ጉዳይ ብረግዚት ደገፍቱን፡ ንረብሓታት ምውጻእ ብሪጣኒያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንዜጋታት ዘርብሕ ናይ ባዕላ ውዕላት ንግዲ ናይ ምዝርራብ ተኽእሎ ሓዊስካ ማለት'ዩ፡ ከብርሁ ክሕተቱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣካል ናይ ሓደ ዓቢ ሕብረት ምዃን ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓታትን ሃስያታትን ኣለዎ። እወ፡ ምስ'ቶም ናይ ሓባር ፖሊሲታት ንኽትቃዶ ክትብል ናይ ባዕልኻ ሸቶታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ተእቱ።

እንተኾነ ግን ኣብ እተካይዶም ናይ ንግዲ ዝርርባት ሓይልን ድርኺትን ናይ'ቲ ሕብረት ድማ ትጥቀም።

ሰራሕተኛ ፋብሪካ ወይኒ ደቡብ ኣፍሪካ Image copyright Getty Images

እዚ ግን ንኣፍሪቃ ኣበይ የቐምጣ?

ኩሉ ሰብ ከምዝጽበዮ፡ ሚኒስተር ዓለም-ለኻዊ ዕቤት ብሪጣንያ ኣሎክ ሻርማ ኣዝዩ ርግጸኛ ኮይኑ ዝምድና ብሪጣንያ ምስ ኣፍሪቃ የማነ-ጸጋም ውዕላት ንግዲ፣ ዋኒናትን ወፍርን ዝኽተምሉ "ብልዑል ጸቕጢ ናህሪ ዝፈጥር [turbo-charged]" ክኸውን'ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ብሪጣኒያ ንዝምድና ኣፍሪቃ ብዕቱብ ዝሓዞ ይመስል፤ እቲ ዋዕላ ወፍሪ ብሪጣንያን ኣፍሪቃን ድማ ከም ሓደ ኣብነት ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ይኸውን። ዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ኣብ ኩነታት ንግዲ ግን ኣዝዩ ርሑቕ'ዩ፤ ምናልባት ዓመታት እውን ክወስድ ይኽእል'ዩ።

ብሪጣንያ ምስ ወጽአት እንታይ'ዩ ክቕየር?

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝቕየር ነገር የለን።

ብዙሕ ፖለቲካዊ ምስሉይነትን መደረታትን ክህሉ'ዩ፡ ብሪጣኒያ ግን ክሳብ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት ብሕግታት ጉምሩኽን፡ ሓደ ዕዳጋን ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትቅየድ'ያ። ነዚ ብኽልተ ተወሰኽቲ ዓመታት ከተናውሖ ዘኽእላ ሕጊ'ውን ኣሎ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ግን ነዚ ድሮ ነጺግዎ'ሎ።

እዚ ማለት ድማ ኣብ 2020 ዝምድና ንግዲ ብሪጣኒያን ኣፍሪቃን ከም ዘለዎ ብሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተቐይዱ ክቕጽል'ዩ ማለት'ዩ።

ድሕሪ 2020'ከ?

ድሕሪ 2020'ውን እንተኾነ፡ ውዕላት ንግዲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ'ታ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአት ብሪጣኒያ ኣብ ትሕቲ "ቀጻልነት/ምትእስሳር ዘለዎም ውዕላት" ከም ዘለውዎ ክቕጽሉ'ዮም።

እዚ ማለት ድማ እቶም ናይ ኩነታት ንግዲ (ቀረጻት፣ ብጽሒት/እጃም፣ መለኪዒታትን ካልኦትን) ከምዘለውዎ ክቕጽሉ'ዮም፡ ማለት ብመስረት'ቶም ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኸተሙ ውዕላት ክቕየዱ'ዮም።

ንኣብነት፡ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ናሚቢያ፣ ሌሰቶ፣ ኤስዋቲኒን [ናይ ቀደም ስዋዚላንድ] ሞዛምቢክን ዝርከብኦ ሕብረት ጉምሩኽ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳኩ) ውዕል ቁጠባዊ ሽርክነት ኣበጊሳ።

እዚ ውዕል'ዚ እተን ኣባል ሃገራት ምስ ብሪጣኒያ ዘለወን ንግዳዊ ውዕል በቲ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለወን ውዕል ተቐይዱ ክቕጽል ዘኽእል'ዩ።

እዚ ውዕል'ዚ "ድሕሪ ብረግዚት፡ ኩባኒያታት ንግድን ብዘይ ገለ ተወስኽቲ ዕንቅፋታት ክቕጽላ ከኽእለን'ዩ" ኢላ ጸሓፊት [ሚኒስተር] ዓለማዊ ንግዲ ብሪጣኒያ ሊዝ ትራስ።

ዕላማ ናይ ብሪጣኒያ ድማ ከምኡ ይመስል። ማለት ኣብ መንጎ ብሪጣኒያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘለዉ ውዕላት ብመሰረት'ቶም ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኣትዉ ቅድመ-ኩነታት ክቕየዱ እዮም። ብሪጣኒያ ምስ 70 ሃገራት ዓለምና 40 ተመሳሰልቲ ውዕላት ኣለዉዋ።

ንምንታይ'ቶም ውዕላት ዘይተቐየሩ?

ገለ ካብ`ቲ እቶም ውዕላት ዘይተቐየርሉ ምኽንያታት ብሪጣኒያ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ውዕል ምስዘይብለን ሃገራት ሓደስቲ ውዕላት ክትክትም ንከኽእላ ተባሂሉ ዝተሓስበ`ዩ። ኣብ`ዚ እታ ዝዓበየት ሃገር ኣሜሪካ`ያ።

ቀሊል ይመስል፡ ግን ኣይኮነን። ብውሑዱ ኣብ ዝነውሐ እዋን ብምኽንያት ዘይርግጹነት መጻኢ ድሕረ-ብረግዚት።

እቶም "ቀጻልነት ዘለዎም ውዕላት" ኣብ መወዳእታ ከብቅዑ`ዮም፡ ሽዑ`ዮም ከኣ እቶም ሓቀኛታት ዕድላትን ብድሆታትን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቕልቀሉ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ብሪጣኒያ ዝሓሸ ውዕል ክረኽባ ይኽእላ`ዶ?

ብሪጣኒያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጺኣ ዝተሓተ ናይ ምውዕዓል ጽልዋ`ዩ ክህልዋ። እዚ ማለት ድማ ምስኣ ንግዲ ዝገብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ውዕላት ንምርካብ ክጸምቁኣ/ከዋጥራኣ ይኽእላ`የን - ምናልባት።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፡ ንግዳዊ ዘተታት፡ ዝተሓላለኹን ጊዜን ክእለትን ዝሓቱን`ዮም።

እታ ናይ ፈላሚት ጥይት ሎሚ ዓርቢ 31 ጥሪ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ምስ ተተኮሰት፡ ንግዳዊ ዝርርባት ብሪጣንያ ቀዳምነት ክወሃቦም`ዩ።

ሰራሕተኛ መፍረጹ ዕምበባ Image copyright Getty Images

ብሪጣንያ ኣብ ኣፍሪቃ ከተትኩር ድያ?

እቲ ዝዓበየ ኣድህቦ ብሪጣኒያ ምስ`ቲ ዝቐረበን ዝዓበየን መሻርክቲ ንግዳ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝበለጸ ውዕል ኣብ ምርካብ ከተኩር`ዩ።

ካብ`ኡ ቀጺሉ ምስ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ደቡብ ኮሪያን ኣውስትራሊያን ዝግበሩ ውዕላት ቀዳምነት ክወሃቦም`ዩ። እዚ ማለት ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ታሕቲ/ድሕሪት ናይ`ቲ ዝርዝር/ሊስታ ክስርዓ`የን ማለት`ዩ።

እንተኾነ ግን ሕቶ ዓቐንን ፋይዳን/ኣድላይነትን`ውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዓበየ/ዝበዝሐ ንግዲ ዘለዋ ሃገር`ያ።

ማዕድናት፣ መካይንን ምህርቲ ሕርሻን ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት`ዮም ዝለኣኹ፡ 18 ሚእታዊ ካብኡ ድማ ናብ ብሪጣንያ። ገለ ምህርቲ ሕርሻ ግን ብውዕል ብጽሒት/እጃም ይቕየዱ`ዮም።

ብሪጣንያ ንሕጊ እጃም ተልግሶ`ዶ ትኸውን?

ብኽልስ-ሓሳብ ብሪጣንያ ካብ`ቲ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘላቶ ቀይዲ ወጺኣ ንዕዳጋ`ታ ሃገር ኣስፊሓ ክትከፍቶ ትኽእል`ያ። ነዚ ዕድላት ድማ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣፍረይቲ ነቢት ክጥቀምሉ ይኽእሉ።

እንተኾነ ግን፡ ፈረንሳውያን መዘናታትቶም ነቲ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝግበር፡ ሓለፋ ዘለዎ ውዕላት ተጠቒሞም ፍርያት ነቢቶም ናብ ብሪጣንያ ከምዝለኣኽ ክገብሩ ይኽእሉ`ዮም።

ብግደ ሓቂ ግን፡ እንታይ ከምዘጋጥም ክትንበ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ድማ ዝርርባት ንግዲ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሕልኽላኻት ከምዘለዎ`ዩ ዘርእየካ።

ንምግጣሙ ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕርታት ብዘየገድስ፡ ዘይርግጹነት ሓደ ዓቢ ረቛሒ`ዩ።

"ዋላ`ኳ ብሪጣኒያ ንዝዝርብ ንግዲ ብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ብምእማማ እቲ ሻቕሎት እንተተቓለለ፡ ንግዚኡ ግን እቲ ዝህሉ ጽልግልግን ዘይንጽሩነትን ኣብ ልዕሊ`ቶም ክህልዉ ዝኽእሉ ዕድላት ጸብለልታ ክህልዎ`ዩ" ትብል ራዚያ ኻሃን ናይ ስታንዳርድ ቻርተርድ ባንክ።

ብረክዚት ካልእ መዳያት ቁጠባ ኣፍሪቃ ክጸሉ ይኽእል`ዶ?

ብርግጽ፡ ብረክዚት ልዕሊ ንግዲ ክኸይድ`ዩ። እዚ ድማ ብሪጣንያ ድሕሪ ብረክዚት ኣብ ቁጠባዊ ዝሕጠት [recession] እንተኣትያ ክረአ ይኽእል። እዚ ንከም ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝኣመሰላ ሃገራት ብኸቢድ ክሃስየን`ዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ ብሪጣንያ ሻሙነይቲ ዝዓበየት ዕዳጋ ሰደዳት/እትወታት ደቡብ ኣፍሪቃ`ያ ኢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሚሩ'ሎ።

ቁጠባ ብሪጣንያ ጉንፋዕ እንተሒዝዎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢንፍሉዌንዛ ክሕዛ`ዩ።

ቁጠባ ደቡብ ኣፍሪቃ ጎብለል ኣህጉራዊ ቁጠባታት ብምዃኑ፡ ንሳዕቤን ዝሕጠት ቁጠባ ብሪጣንያ ኣብ`ተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኸበደ ይገብሮ።

ኣፍረይቲ ዕምባባታት ኬንያ`ኸ?

ንገለ እታወታት [ኢምፖርትስ] ንምስሳይ፡ ብሪጣንያ ሓዲሽ ትሕተ-ቅርጺ`ውን ከድልያ ይኽእል`ዩ።

ፍርያት ዕምባባ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሰደዳትን ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ናይ ኬንያ`ዩ። እዚ ጽላት`ዚ ዓቢ ፈጣሪ ሸቕለት ኮይኑ፡ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ብቐጥታ ከሸቅል እንከሎ ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰብ ድማ ብተዘዋዋሪ የሸቅል።

ኣብ መፍረዪ ዕምበባ ዝሰርሕ ሰብኣይ Image copyright Getty Images

ኣብዚ እዋን ምህርቲ ዕምባባ ኬንያ ብመንገዲ`ቲ ዓርሞሸሽ ዕዳጋ ኣምስተርዳም [ሆላንድ] ኣቢሉ`ዩ ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣቱ። ዓሰርተ ሸሞንተ ሚእታዊት ካብ`ኡ ድማ ናብ ብሪጣኒያ ይኣቱ። ድሕሪ ብረክዚት ግን እንታይ`ዩ ክኸውን?

ውዕል ዜሮ ቐረጽ ኣብ ትሕቲ ቀጻልነት ዘለዎ ውዕል ክቕጽል ይኽእል`ዩ፡ ኣካላዊ [ፊዚካል] ጸገማት ግን ክህልዉ`ዮም።

ባይቶ ዕምባባ ኬንያ [Kenya flower Council] ዕምባባታት ኬንያ ብቐጥታ ናብ ብሪጣንያ ክትሰድድ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ከም`ቲ ናይ ናይሮቢ-ኣምስተርዳም ምዕቡል ኣይኮነን ኢሉ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሃስያ ክህሉ`ዩ ማለት`ዩ።

ነጋዶ ኣብ ምንታይ`ዮም ክጥምቱ ዘለዎም?

ንኩባንያታት ኣፍሪቃ ዝምልከት፡ ድሕረ-ብረክዚት ኩነታተን ኣብ`ቶም ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ዘለውወን ዓይነት ንግድታት ክምርኮስ`ዩ።

"እተን ኣብ`ቲ ምስ ሓለፋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዎ ዕዳጋ ብሪጣኒያ ብኸቢድ ዝምርኮሳ ኩባንያታት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ዘለዉ ምዕባለታት ኣቓልቦ ክህበኦም ይግብአን። ከምኡ`ውን ነቶም ኣብ መንጎ ሃገረንን ብሪጣንያን ዝግበሩ መጻኢ ውዕላት ከድህባሎም ኣለወን" ኢሉ ማቲው ስተርን ናይ ዲ ኤን ኤ ቁጠባ [DNA Economics] ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ፕሪቶሪያ።

"ኩሉ በቲ ዝወጽኣሉ ውጥን እንተድኣ ተፈጺሙ፡ እቶም ሓለፋታት ክዕቀቡ`ዮም። ዝኾነ ሸታሕታ ናይ ሓደ ኣካል ግን ንገለ ትካላት ከቢድ ዋጋ ከኽፍለን`ዩ" ድማ ይብል።

ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታትን ነጋዶን ኣብ ዋዕላ ወፍሪ ብሪጣንያ-ኣፍሪቃ ኣብ ለንደን ኣብ ዝጋብእሉ ዘለው እዋን ግን ዘይርግጹነት የንጸላሉ`ሎ።

እዚ ዘርግጹነት`ዚ ብገለ ሸነኻቱ በቶም ሓደስቲ ዝርርባት ይቃለል ይኸውን፤ ጸኒሕካ ግን ሓደስተ ዝርርባት ይካየዱ ይኾኑ።

ዘይርጉጽነት ጸላኢ ናይ ወፍሪ`ዩ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብ`ቶም ብድሕሪ`ቶም ኣብ`ቲ ዋዕላ ናይ ለንደን ዝተራእዩ ፍሽኽታታትን፡ ምልውዋጥ ሰላምታን ኢድን ዘለዉ ስክፍታታ`ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-51321965

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ይወስዶ ኣሎ ዝበሉዎ ስጉምቲ ብምቅዋም ኣብ ከተማ ሃረር ዝተኻየደ አድማ ትካላት ንግድን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ክዕፀው ኣገልግሎት መጎዓዚያ ድማ ክቋረፅ ከምዘገደደ ተፈሊጡ።ኣብ ደቡብ ክልል ነበርቲ ከተማ ቴፒ ድማ ብስእነት ፀጥታ ኣብ ስግኣት ወዲቕና ኣለና ይብሉ ኣለው።

ሎሚ ረቡዕ ምንቅስቓሳት ከተማ ሃረር ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ተደሪቱ ውዒሉ’ሎ።ወነንቲ ትካላት ንግዶም ክዓፅው ብመናእሰይ ከምዝነተነገሮምን ክኸፍቱ ዝፈተኑ እምኒ ከምዝተደርበዮምን ሽሞም ክገልፁ ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም።ወራርን ምቅፃል ንብረትን ኣይነበርን፤መንግዲ ንምዕፃው ግን ኣብ ጎደናታት ጎማታታት ከምዝነደዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ባንክታትን ተዓፂዮም ውዒሎም። ሓይልታት ፀጥታ ዝተዓፀው መንገድታት ክኸፍቱ ከለው ሓይልታት ፀጥታ ዘይነበሩዎም ከባቢታት ተዓፂዮም ምውዓሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ምኽንያት ናይቲ ኣድማ ብዝምልከት ርእይትኡዝሃበ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ።

“ኣብ ዞባታት ሃረርጌን ወለጋን ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ ንምቅዋም ኢና እዚ ኣድማ ነካይድ ዘለና።”

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኣብ-ከተማ-ሃረር-ብዝተላዕለ-አድማ-ኣብያተ-ንግዲ-ቤት-ጽሕፈት-መንግስቲን-ጎደናታት-ከምዝተዓጽው-ተገሊጹ-/5265561.html

እቲ ኣድማ ንሰለተ መዓልታት ከምዝቕፅል እቲ መንእሰይ ሓቢሩ።ተመሳሳሊ ኣድማን ምዕፃው መንገድታትን ኣብ ከተማታት ቆቦን ኣወዳይን ከምዝነበረ ምንጭታት ገሊፆም።

ካብ ፖሊስ፣ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን ከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ደቡብ ነበርቲ ከተማ ቴፒ ብስእነት ድሕነትን ፀጥታን ኣብ ስግኣት ወዲቕና፤ምኽንያቱ መንግስቲ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ስለ ዘየቕርቡዎም ኢሎም።

ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ነባሪ ናይታ ከተማ ብስግኣት ፀጥታ ስሩዕ ምንቅስቓስ ዝተደረተ እዩ ኢሎም።ስቪላት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝቕተሉን ንብረቶም ይውረሩ ከምዘለውን ገሊፆም።

“ሰለስተ፣ኣርባዕተሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ካብ ገዛ ከይወፅእ፣መኪና፣መጎዓዚያ ዝኾነ ይኹን ከይንቀሳቐስ፣ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ከይኽፈቱ እናተገብረ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ፀገም እዩ ዝርከብ። “

ኣቶ ፍረህይወት ወርቁ ዝተባህሉ ነባሪ ፀጥታ ናይቲ ከባቢ ክሕሉ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ግዚያዊ ወታደራዊ እዚ እውን ሰላም ከረጋግፅ ኣይክኣለን ኢሎም ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣቶ ኣንድነት ኣሸናፊ ዝሸፈተ ጉጅለ ከምዘሎ ብምሕባር ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝበሉዎም ብድሕሪት ተሰሊፎም ንናይ ቴፒን ከባቢኡን ሰላም እናዘረጉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ናይቲ ክልል መንግስቲ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣየቕርብ ንዝብል ክሲ ነባሪ ፍታሕ ዝረጋገፅ ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከሎ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ሰላም ካብ ዝጠፍእ ክልተ ዓመት ይኸውን ከምዘሎን ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ንሞት፣ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን ተቓሊዖም ኣሽሓት ነበርቲ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ሎ።