ሰማእታት ወይ መስዋእቲ ማለት፡ ካልኦት ወገንካ ወይ ህዝብኻ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት በደል፡ ዓመጽ፡ ርግጸት ሰብኣዊ መሰል ነጻ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሰላምን ቅሳነትን መታን ክነብሩ፡ ብፍቓድካ ምእንትኦም ብህይወት ምብጃው ማለት‘ዩ።

እዚ መስዋእቲ‘ዚ፡ ከምቲ ጉዕዞ ሓደ ማይልስ ብሓደ ስጉምቲ ይጅመር ዝብልዎ ምስላ፡ ቀዳሞት ክሓልፉ ብዳሕረዎት እናተተክአ እቲ ዕላማ ክሳብ ዝዕወትን ንዝተረኽበ ውጽኢት ዓቂብካ፡ ዳሕራይ ወለዶ ኣብ ዝኾርዓሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ንመዋእል ዝቕጽል ባህርያዊ መስርሕ‘ዩ። ስለዚ‘ዮም ድማ ጀጋኑ ሰማእታትና፡ እታ ናይ መወዳእታ ህይወቶም ክትሓልፍ ከላ ሕድርኹም እዛ ሃገር እናበሉ ረዚን ሓላፍነት ኣሰኪሞሙና ዝሓለፉ።

ሃገር ማለት ከኣ ጎቦ ኩርባ ስንጭሮ ሩባ ዘይኮነስ፡ እቲ ምእንትኣ ዝብጀዉ ጀጋኑ ዝወለደ ህዝባ ሕጋዊ ክብሩ ተዓቒቡ ንቀጻልነታን ዕቤታን ሓላፍነት ተሰኪሙ ንዳሕረዎት ከመሓላልፍ ዝኽእል ህዝቢ ማለት‘ዩ።  ሎሚ ኣብዘን ኣዋርሕ 24 ግንቦትን 20 ሰነን ኴንና ክንሓስብ ከሎና፡ ዓሚቝ ምስጢር ሕድሪ ሰማእታትናን ተግባራዊ ኣካይዳ ህሉዋትን ብሓፈሻ፡ ኣረዳድኣ መንእሰይ ንምዕቃብን ንምቕጻልን ዘሎ ተኽእሎ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከም ዘሎ ኣብ ውዱእ ገምጋም ክንበጽሕ‘ዩ ዘነጽረልና። እዚ ማለት እታ ብክንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበትን ብታሕጓስን ደስታን ዝላን ደበላን ዝተቐበልናያ ነጻነት ብሓቂ ዕላምኣ ወቒዓዶ ወይ በርዒና። ሕድሪ ሰማእታት መሊስናዶ ወይስ ጠሊምና ዝብል ሕቶታት ብግቡእ ስለ ዘይመለስናእዩ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ዘሎናዮ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ግን ኩሉ ሕቡእ ተቐሊዑ እሙንን ጠላምን ዝተነጸረሉ መድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብስም ስዉኣት እናታለልካ ምቕጻል ግዜኡ ዝሓለፎ ሽጣራ ጥራሕ ዘይኮነስ ብህይወት ዘሕትት ገበን‘ዩ። ዝኽሪ ሰማእታት እምበኣር ናይቶም ነጻነት ንምምጻእ ብረት ዝዓጠቑን ዘይዓጠቑን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከተማን ገጠርን፡ ምእንቲ‘ዛ ሃገር እናተቓለሱ ብጸላእን ዘቤታዊ ጠላማትን ዝተሰውኡ እኩብ ድምር ዝተገልጸን ዘይተገልጸን ቍጽሪ ሰማእታት ዘጠቓለለን ንዘልኣለም ክትዝከርን ክትከብርን ክትነብር ዝግበኣ ዕለት‘ያ።

ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ‘ውን፡ መስዋእቲ ናይቶም ድሕሪ ነጻነት ኣብ ልምዓት ሃገር ዓቢ ግደ ክህልዎም ዝግባእ ክንሱ፡ ብግጉይን ዘይሓላፍነታዊ ፖሊሲ ኢሳያስን፡ ንስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝጻሕተሮ ናይ ጐረባብቲ ውግኣትን መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱዎም ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ዝሓለፉን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ከዳዕ ኢሳያስ ኣይከሰርናን ኢሉ ዝኸሓዶምን ዘጠቓልል ምዃኑ‘ዩ። እዚ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝነበረ ዓይነት መስዋእቲ ክኸውን ከሎ፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ከባቢና ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርጉእ ኣካይዳ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ክንሱ፡ ሰኽራም ኢሳያስ፡ ‘‘ጉዳይ ኢትዮጵያ ትም ኢልና ኣይንርእዮን ኢና‘‘ ምባሉን፡ ሎሚ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከተካ ትዕደም ምህላውካ ክትፈልጥን እምቢ ክትብልን ይግባእ። ከምዚ ዓይነት ምኽርን ሓበሬታን ወዮ ድኣ ኣይተሰምዐን እምበር ተደጋጊሙ ይግለጽ ምንባሩን ብዘይምስማዕካ ዝኸሰርካዮም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰይ ደቅኻ ተመሊስካ ምስትብሃል ኣድላዪ‘ዩ።  

ገለ ካብኡ ድማ፡ መጀመርያ 1994 ሃገራዊ ኣገልግሎት ንልምዓት ሃገር ብዝብል ምስምስ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ እቲ ዕላማ ንልምዓት ዘይኮነስ መዓስን ምስ መንን ምዃኑ ኣብ ዘይተፈልጠ ኲናት ትዳሎ ምህላውካ ክትርዳእን እምቢ ክትብልን ከም ዝግበኣካ ምግላጻ ትርስዖ ኣይብልን‘የ።

ኣብዚ እዋንዚ ዕድመ ስልጣን ውልቀ-መላኺ ንምንዋሕ ኣብ ዝሕሰብ መገዲ ዕንወት፡ ብቀዳምነት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ስዒቡ ድማ መላእ ደላይ ሰላምን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣብ ምድምሳስ ጭፍራ ህግደፍ ክምክት ግዜ ዘይህብ ህጹጽ እዋን ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። እዚ መሃንድስ ጥፍኣት‘ዚ ከየልገሰ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ኤርትራዊ ድማ ከም ነጻን መንነትን ክብርን ዘለዎ ዜጋ ኮይኑ ክነብር መደብ ኮነ ድሌት ከም ዘየብሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ጭቡጥ ምስክር‘ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን መደብ ሰሪዑ ሃገር ኣዕንዩ ንህዝባ ኣጥምዩን ኣጽኒቱን ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላሳ መደቡ ንምዕዋት ይሰርሕ ምህላዉ ተረዲእና ክንቃለሶ ዘይምኽኣልና‘ዩ።  ነዚ ፈሊጡ ድማ‘ዩ ባዕሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ ስምረት ምስ ኢትዮጵያ ዓመታት ይውሰድ ዘመን ብዘየገድስ ክትግበር ከም ዝከኣልን፡ በቲ ኤርትራ ኣብ ካርታ ናይ ዓለም ስለ ዝኣተወትን ናይ ባዕላ ባንዴራ ስለ ዘለዋን ትርጉም ኣለዋ ክትብል ኣይከኣልን‘ዩ፤ ሓደ ባንዴርኡ ኣብ ዓለም ዘንበልበለ ህዝቢ ጠምዩ ዝሓድርን መነባብሮኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ እንድሕሪ ኮይኑ ሃገር‘የ ህዝቢ‘የ ክብል ኣይክእልን‘ዩ“ ኢሉ ክገልጾ ከሎ ሳዕቤኑ ክንርዳእን ካብኡ ንምድሓን ብኩሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ዘይምኽኣልናን‘ዩ። እቲ ሕጂ ብምስጢር ዝመሃዝ ዘሎ መደብ ከኣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ደምሲስካ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ሕቡእ ዕላምኡ ንምፍጻም፡ ኣብ ሓደ ናይ ሃገርን ኤርትራዊ መንነት ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቃራና መገዲ ምህላውና ዘመልክት ብጫ መብራህቲ‘ዩ። ስለ ዝኾነ፡ መልስና ንሓድሽ ናይ ጥፍኣት መደብ ኢሳያስ እምቢ ምባልን ነጻነት ንምዕቃብን ንዘጋጥም መሰናኽላት እናመከትና ቍልፊ ሓድነት ተቐኒትና ክሳብ ፍጹም ዓወት ምቕጻል ኮይኑ፡ ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ማለት ልዑላውነት ሃገር ከይድፈር ውልቀ ምልኪ ከይፍጠር ሕግን ስርዓትን ብግቡእ ክትግበር ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀሲኑን ከቢሩን ክነብር ክሕሉን ክከላኸልን ሓላፍነት ዝተሰከመ ሃገራዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ።

በዚ መስረት ብሕጂ ዝፈስስ ደም ከይህሉ ዘይተርፍ እንተኮይኑ ግን ንረብሓን ድሕነት ሃገርን ህዝብን እምበር መሳርሒ ውልቀ መለኽቲ ክኸውን ከም ዘይብሉ ምርዳእ ወሳኒ‘ዩ። እዚ ጥራሕ‘ዩ ከኣ ፋሕጠርቲ ኣጻፍር ኢሳያስ ዶብ ከይሰግራ፡ ክቅርሰማን ኤርትራ ልዑላውነታ ዘረጋገጸትን ብጀጋኑ ደቃ ዝተሓጽረትን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብሰላም ዝነብረላን ሃገር ክንሃንጽ ዘኽእለና። ስለዚ ዘሎናዮ እዋን ደጋፍን ተቓዋምን ካብ ዝብል ኣረጊት ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ኣብ ልዕሌና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና መግዛእትን ምብርዓን ሕድሪ ሰማእታትና ክንምልስን ከነኽብርን ኣብዛ ክብርቲ ዕለተ-ዝኽሮም 20 ሰነ ቃል ኪዳንና ከነሐድስ‘ዩ ዝግበኣና። ክሳብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ብዙሕ ዝተሓብአ ምስጢራት ዝፈጠሮ ናይ ምድንጋር ተኽእሎ ምንባሩ ዝግመት ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ቅሉዕ ድሌት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተነጸረሉ እዋን ምስኡ ምውጋን ኣብ ዘይወዓልካዮ ገበን ኢድ ምሕዋስ ስለ ዝኾነ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ምክልኻል ሓይልታት ዘለዉ ዜጋታትና ክሓስብሉን ምስ ደለቲ ፍትሒ ክውግኑን ንመኽሮም። ካብኡ ብዘይፍለ ድማ ንኩሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ውልቀመላኺ ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ዕላምኡን መዕለቢኡን ዘይፍለጥ ናይ ምቅላስ ሸውሃት ዝዘርግ፡ ናይ ገለ ሰባት መግለጽን ሓበሬታን ብንቕሓት ክትምክቱን ኣንጻርዚ ብዕድልኩም ዝጻወት ጕጅለ ኢሳያስ ብሓባር ክትቃለሱን ኤርትራዊ ምኽረይ እልግሰልኩም።

ነዚ ንምዕዋት ክትለብሱዎ ዘሎኩም ዕጥቅን ስንቅን ከኣ ሓቀኛ ኣቃውማን ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝነብሮ ብቕዓትን፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝነብሮ ፍቕርን ሓድነትን ንሱ ዝፈጠሮ ብሓባር ተቓሊሱን ብሓባር ተሰዊኡ ነጻነት ናይ ዘምጽአ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ክትፈልጡ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ እዩ። እዚ ከኣ ብሓቂ ክትጥቀሙሉ እንተክኢልኩም፡ ካብ ብዙሓት መጻሕፍትን ኣካል ናይዚ ነጻነት ዘምጽአ ሓርጐጽጐጽን ዝነበሩን ብህይወት ዘለዉ ዘመሓላልፉዎ ሃብታም ተሞኩሮ እናተመሃርካ ዝጥረ ጸጋ‘ዩ። ስለዚ ከምቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ ቃልሲ ኣረገውትን ንኣሽቱን ዘይኮነስ ንኩልና ብሓባር ዘጥቅዕ ለበዳ ስቓይ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ከነልግሶ ዝግባእ ሓባራዊ ሕማም ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ። ኣብዚ እዋንዚ ውዳበ ዝለዓለ ጥርናፈ ናይ ለውጢ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ደምበ ተቓውሞ ብደረጃ‘ቲ ክኾንኦ ዝግብአን ክብርኻ ብዘይምኽኣለን መድረኽ ቀዲሙወን ከይከይድን ብቑዕ ብዘይኮነ ምኽንያት ዘልሓጥሓጥ ገዲፈን፡ ብዘይወዓል ሕደር ነዚ ውሁብ ወርቃዊ ዕድል መሪሑ ዘዐውት ጽላል ከቑማ ኣጥቢቐ እምሕጸነን።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኩሎም ጸረዚ ድርብ ብድሆታት በብዝመስሎም ዝቃለሱ ኤርትራውያን ዘሎኒ ኣድንቖት እናገለጽኩ፡ ጽሓይና ዝበርቀሉን፡ ብዛዕባ ጸገምና ኣብ ርህውትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ተራኺብና ነድግመሉ ነዊሕ ከም ዘይኮነ ዘሎኒ እምነት እገልጽ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍን መሰልቶምን!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

15 ሰነ 2020  

ኤርትራ ሃገርና ብዘይካቲ ህዝባ ዘይደገፎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብኣስገዳድ ምጽንባራ፡ ንልዕሊ395 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ሓደ ድሕሪቲ ሓደ ብተኸታታሊ  ብባዕዳዊ ገዛእቲ ተገዚኣ። እዚ ክዝርዘር ከሎ፡ ንግስነት ቱርካውያን  ኦቶማን  ካብ 1557 ጅሚሩ ክሳብ 1865: ድሒሩ ድማ ካዲፍ (ግብጻውያን)  ክሳብ 1882: ቀጺሉ ፋሽስቲ ጣልያን ክሳብ 1941: ኢጣልያ ብመንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ (እንግሊዝ) ምስተሳዕረ ከኣ፥ እንግሊዝ ክሳብ 1952  እዩ። ድሕሪኡ ውዲታት ሓያላን መንግስታት ምስ ስርዓት ንግስነት ሃይለስላሴ ብምሽራውን፥ ብሸፈጥ ናይ ጽጥታን ርግኣትን ኣመኽንዮም ብዓንቀጽ (390) A/V  ብዘይ ፍታውን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ጓዕጺጾም ንኤርትራና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ከምትቚረን ገበሩ።

ቅድሚ ናብቲ ናይ ድሕሪ ፈደረሽን ግዜ ምእታውና፡ እቲ ዝተገልጸ፡ ማለት መሬት ኤርትራ እዚ ሎሚ ዘሎ  ዲዩ ወይ ኣይኮነን ኢልካ ክትድምድሞ ኣይከኣልን ኢዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ገዛኢ ነናቱ ዘካይዶ ስምምዓትን ዉዕላትን ወይ ናተይ ኢሉ ዝሕዞ መሬት ካብ ሓደ መግዛእቲ ናብቲ ካልእ ንመግዛእቲ ስለዝፈላለ። ንኣብነት እዛ ሎሚ ኢትዮጵያ እትበሃል ዘላ ቅድሚ 3000 ዓመት ከምዚ ነይራ ኢሎም ዝዛረቡላ ሃገር፡ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ መሬት ኣይነበረትን። እንታይ ደኣ ክሳብ ስናር  ኣስፋሕፊሓ ተባሂሉ ዝዝንተወላ ታሪኽ ኣሎ። ሎሚ ግን ስናር ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ዘሎ። ስለዚ እቲ ዳግማዊ መነሊክ ምስ ጣልያን ዝተሰማምዑሉ ውዑል ንኤርትራ ካብ ትግራይ ዘይኮኑ ፈልዮማ፡ ነቶም ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዓሌታት ኢዮም ፍልዮም ክበሃል ይከኣል። ብዝኾነ እዚ ንናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ገዲፍና፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘውዳዊ ስርዓት በስገዳድ  ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ ብምጥሓስ ተጸንቢራ ካብ 1962-ክሳብ 1991፡ ን29 ዓመታት ዝኣክል ተገዚኣ። እዚ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ መግዛእትታት ክድመር ከሎ ዳርጋ 424 ዓመታት  ኤርትራን ህዝባን ብመግዛእቲ ተሳቒዮም።

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ካብዞም ዝተጠቕሱ ገዛእቲ ብዘይካ ሓንሳብ ምስ ቱርካውያንን ምስ ግብጻውያንን ገዛእቲ ኣብ ጉንደት፡ ጉራዕን ድባርዋን ዝገበርዎ ውግእ፡  ንኤርትራን ህዝባን ንምድሓን ይትረፍ ነታ ዓሰብ ናትና ኢያ ዝብልዋ ክከላኸሉ  ኢሎም ዘካየድዎ ውግእ ፈጺሙ የለን። እተን  ንገለ ጠቕሚ ወይ እውን ብእንግሊዛውያን ንናይ ዑስማን ድግና ንምውጋእ ክተሓባበሩ  ዘካየድወን ውግኣት  እምበር ንኤርትራ እውን ከም በዓል  ውቤ ፡ ራእሲ ኣሉላ ይኹን ካልኦት ከምታ ክሳብ ስናር ንገዝእ ነርና ዝብልዋ ግብሪ ክኸፍሉ እንተዘይኮይኑ ኣናሕስዮም ኣይፈልጡን። ግብጻውያን ተዳኺሞም ንመሬት ኤርትራ ክለቁ ከለዉ መሬት ንምውራስን  ምስ ጣልያን ዝገበርዎ ውግእ እውን ጣልያን ከስፋሕፍሕ ምስ ጀመረ ናይ ዓድዋ ውግእ ገጢሞም እምበር፡ ንጣልያን ካብ መሬት ኤርትራ ከውጽእዎ ፈጺሞም ኣይሓለምዎን። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምዘይነበረትን ንገዛእ ርእሱ እቲ ን394 ዓመታት ዝኣክል ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረቶ ክከላኸሉላን ከናግፍዋን ዘይምድላዮምን ዓቢ ምስክር እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ምሁራት፡ ነተን ብፈደረሽን፡ ከምኡ እውን ሃይለስላሴ ነቲ ውዑል ፈደረሽን ፍሒቚ ብሓይሉ ንኤርትራ ከይፈተወት መበል 14  ጠቕላይ ግዝኣት ዝገበራ እምበር፡ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ ኢሎም ከቕርብዎ  ዝኽእሉ መርትዖ ኣይነበረን።  ኤርትራውያን ብፍላይ እቶም ንምሉእ ናጽነት ኤርትራ ኢሎም ዝተወዳደቡ ዝበዝሑ እስላም፡ ኣብ ራቢጣ ኣልእስላምያ ዝወሓዱ ድማ ኣብተን ካልኦት ማሕበራት ከም ኤርትራ ንኤርትራውያን፥ ደሓር ቀጽሪ ናጽነት (blok independence)  ነበሩ። እቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ደማዊ ቃልሲ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ። ከምቲ "ዘበን ውቤ ዝጸመምስ ውቤ ወቤ ክብል ይነብር" ዝብል ምስላ ኣበው፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተማህረን ዘይተማህረን ብዘይካ “ኣፈደገ ባሕሪ ሲኢና” ምባል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወጺዒናዮ፡ ኣከላቢትናዮን ሃሲናዮን ኢሉ ዝዛረብ ኣይትሰምዕን ኢኻ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ድማ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነዚ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣን ጠንቂ ገይሮም ይስልበጥዋ። ወያኔ በቲ ቅኑዕ ኣፈታትሕ ናይ መሰል-ርእሰ ውሳኔ መሰረት ማዕልቦ ክግበረሉ ኣለዎ ካብ ዝብል ነቒሎም  ነቲ ዘይተርፍ ናጽነት ኤርትራ ብዕሊ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ከምኡ እንተዘይገብሩ ነይርም ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክሳብ ሎሚ ኣብ ውግእ መነበረ።

ኢዮጵያውያን ምሁራት ቅኑዕ ፍርዲ ኣብ ክንዲ  ምሃብ ካብ ስምዒትን ኣንነትን ነቒሎም፡ ግና  ነቲ ድኻ ህዝቢ ኢዮም ዘረሳስኑ። ካብቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ምነሊክ ንኤርትራ ሸይጥዋ ክብሉ ከለዉ ሕፍረት ክስመዖም ይግባእ። ምነሊክ ወዮ ደኣ ሕሱም ውልቀመላኺ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ እምበር፡ ሰላምን ርግኣትን ሰፊንዋ ነይሩ እንተዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኩዕታ ታሪኽ ወዲሰብ ተመራመርቲ (archeologist) እንተዝካየድ ምናልባት መሬት ኤርትራ ብመነሊክ ዝተወስደ ምሃለወ ነይሩ። ሎሚ ኤርትራ ካብቲ ሕሱም መግዛእቲ  ኢምብራጦርያን ኢትዮጵያን ብሓይሊ ዝሓዝዋ ናጻ ወጺኣ ደኣ እምበር ከምቲ ዝብልዎ  ኣይተገንጸለትን። 

ብዛዕባኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣና እንተኮይኑ ቅድም ውን መኣስ ኣፍደገ ባሕሪ ነይርዋ? ደሓር ድማ ኣብ ዓለም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነትን። ይኹን እምበር እተን ካለኦት ከኣምእ ዝኣመሰላ ኣፍደገ ባሕሪ ስኢና ኢለን  ክሳብ ብሓይሊ ክጉዕጽጻን ክወራን ኣይተራእያን። ኣብ ዓለምና ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወንን ዘይብለንን ዝዳወባ ሃገራት ዳርጋ 49 ዝኾና ኣለዋ። ገለ ካብአን ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመሳሰል ናይ ሕብረት ሞንተነግሮን ሰርብያን ኢዩ። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እትዳወብ ኢያ። ንኣብነት  ሞንተነግሮ ነቲ ሕብረት ሞንተነግሮን ሰርብያን  ምስ ገደፈቶ ሰርብያ ሕጂ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ናጻ ኮይና ዘላ ሃገር።  ብሓደ ነርና ኢና እሞ  ኣፍደገ ባሕሪ ይግበኣኒ ወይ ናተይ እዩ ኢላ ክሳብ  ኣብ  ደም ምፍሳስ ኣይከደትን። እንታይ ደኣ  ብናይ ኣህጉራዊ ዉዑላትን ሕግን መሰረት ወደብ ናይ ሞንተግሮ ትጥቀም ኣላ።  ስለዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ስኢነ ኢላ ኣብ ክንዲ ብሸርሕን ዓመጽን፡ በቲ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ክትጥም ምኸኣለት። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ካብ መን ከማና ስለዘይወጸት  ገለ ምሁራታ ካብቲ ዓምጣሪ ባህሪ ከምዘይወጸት ከመልክቱ ንዕዘቦም ኣለና።  ብዝኾነ ግን ኢትዮጵያ  ንኤርትራ ኣብ ክንዲ  ተገንጺላ እናበለት ንህዝባ ምዕሻው፥  ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና ክትሕብርን ከም  ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት  ኣብ ንግዳዊ፥ ጸጥታውን ዲፕሎማሲያውን ምትሕግጋዝ  ዝካየደሉ ስምምዓት ምግባር ጥራይ ኢዩ ጸዋጽኣ።

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡ ንገለ ዘርብሕ ነቲ ካልእ ከኣ ዝብድል ዘይኮነ፡ ንኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ዝብድል ናይ ሓባር ጨቋኒና እዩ። ንሱ ግና ምግዛእና ምእንቲ ክጥዕሞ ዝተፈላለየ መከፋፈሊ ሜላታት እንዳፈጠረ፡ ናይ ሓደ ወገን ደጋፊ ናይቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቓፊ መሲሉ ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይውዕልን። ሃይማኖት፡ ኣውራጃ ዓሌት፡ ዕድመ፡ ጾታ ንዝኣመሰሉ ናይ ብዙሕነትና መርኣያታት ከከም ኣድላይነቱ ኣብ ምክፍፋልና ዝጥቀመሎም ዝህቅኖም እዮም።

ኣብ ሓደ እዋን እዚ ብዘብለጭልጭ ሕብሪ ቀባቢኡ ዘቕርቦ ዝነበረ ከፋፋሊ ኣካይዳኡን ዘይትግበር መብጸዓታቱን ብገለ ግሩሃት ተቐባልነትን ነይርዎ እዩ። ብሰንክዚ ከፋፋሊ ኣካይዳኡ ውሱን ባይታ ምርካቡ ከኣ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ረብሓኦም ሓድነት፡ ናጽነትን ሓርነትን ክነሱ፡ ኣብ ሕድሕዶም ተረሓሒቖምን ተጻሊኦምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስንብራቱ ብቐሊሉ ኣብ ዘይሃስስ ረጽምን ጐንጽን ዝኣተውሉ ተመኩሮ ኣሕሊፎም እዮም። ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ተመኩሮ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን ንቕሓትን ተመኩሮን ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ጉሒላ ጉጅለ ስለ ዝዓበየ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይቲ ጉጅለ፡ ከፋፋሊ፡ ጨካን፡ ዓመጸኛ፡ ሸፋጥን ጠላምን ባህሪ ብተግባሩ ኣብ ደባባይ ስለ ዝወጸ፡ “ኩሉ” ኢልካ ምጥቕላልኳ ዘጸግም እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ  ንህግዲፍ ንከጽድፎ ኣንጻሩ ክስለፍ እንከሎ “ኣብ ክንዲ ዘጽድፍዎ፡ ዝድግፍዎ” ሒደት ካብ ስኽራን ዘይተመልሱ የለዉን ማለት ኣይኮነን።

እቲ ጉጅለ ግና ከምቲ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝበሃል፡ ከፋፊልካ ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ጽሓዩ ትዓርብ  ከምዘላኳ እንተዘይሰሓቶ፡ ቁልቁል እንዳ ተነቑተ ስቕ ኢሉ ክዕዘብ ስለ ዘይክእል፡ ሜላታት ቀይሩ ህዝቢ ንምክፍፋል ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ኣብ ልምዓትን ረብሓ ህዝብን ክውዕል ዝግበኦ ዝነበረ ገዚፍ ንዋት መዲቡ፡ ሓንሳብ ካብ ህዝቢ ምስ ረሓቑ ናብ ንቡር ህይወት ምምላስ ዘጸገሞምን ህዝቢ ካብ ምብዳል ዝዕንገሉን ልኡኻቱ መዲቡ፡ ሓድነት ህዝብና በቲኑ ብጽሒቱ ንምውሳድ ካብ ምዕልባጥ ዓዲ ኣይወዓለን። ካብዚ ሓሊፎም እቲ ጉጅለ ከምቲ ቀደም ዝንገሮም ዝነበረ፡ ጥዑይ መሲልዎም ኣብቲ ስዑር ሕዛእቲ እንዳኹደዱ፡ ኣብ ክንዲ  ዘጽድፍዎ ዝድግፍዎ ሓሓሊፎም ይረኣዩ እዮም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብነት ክኾነና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ሓደ ከምቲ “ብዘበን ውበ ዝጸመመስ ውበ ክብል ይነብር” ዝበሃል፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ኮይኑ ናብ ልቡ ምምላስ ዘጸገሞ ኤርትራዊ ከነዕልል ጀሚርና። ውዝቢ ኣብቲ ዕላልና “ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኣሎዶ የለን?” ዝብል ጉዳይ ኣልዒልና። ናተይ ርኢቶ ፍሉጥ እዩ። እቲ ምሳይ ዘዕልል ዘሎ ንቡር ሰብ መሲሉኒ፡  ድሕሪ ውሱን መብርሂ “ኣብ ኤርትራ ደኣ እንታይ ፍትሒ ኣሎ” ኢለ ደምደምኩ። እቲ ምሳይ ዕላል ዝጀመረ ከኣ ነዓይ ከምዚ ብዛዕባ ኤርትራ ዘይፈልጥ ገይሩ ብምውሳድ “ፍትሕን ሰላምን ደኣ ከም ኣብ ኤርትራኸ ኣበይከ ኣሎ” ክብለኒ ጀመረ። ድሕሪዚ ኣብ ከውሒ ከም ዝጸመድኩ ተረዲአ፡ ኮንደኾን ይዕገሰለይ ኢለ፡ “ፍትሒ እንተዝህሉ ደኣ ስለምንታይ በዓል እገለ ክሳብ ሎሚ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ኣለዉ?” ኢለ፡ ንገለ ፍሉጣት ኣባላት ጉጅለ-15 ጠቒሰ ሓተትኩዎ። እዚ ካብ ህግዲፍ ዕሙት ርኢቶን ባዶ ድፍረትን ዝወረሰ መተዓልልተይ፡ “ንሳቶም ደኣ ቀደም እንድዮም፡ ገሊኦም ንዕደመ-ልክዕ ማእሰርቲ ገሊኦም ከኣ ንሞት ብወዲ ኣፈወርቂ ተፈሪዶም” በለኒ። ድሕሪኡ እዚ ሰብ እቲ ሓድሽን ቁሩብ ርቕቕ ዝበለን ኣደጋግፋ ህግዲፍ ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ ዘበን እኒእኒ ኣዳጋግፋ ከምዘሎን፡ ምስኡ ምዝራብ ኣብ ከውሒ ምጽማድ ምዃኑ ተገንዚበን፡ ነቲ ስቕ ኢሉ ዝዕዘብ ዝነበረ፡ ብናይቲ መማጽእቱ ኣዘራርባ ዝሓርበቶ ሳልሳይና ብዓይነይ ምልክት ገይረሉ ነቲ ጉዳይ ገዲፍናዮ ናብ ካልእ ዛዕባ ኣቲና።

“ኣደይ ዘዕጠቓኒ መቐነት ኣይፈትሕን” ዝብል ኣበሃህላ ናይ ጽንዓት ዘይኮነ ናይ ድርቅናን ዓሻ ህልኽን መግለጺ እዩ። “ገ እንዳበሉኻዶ ትጋገ” ከኣ ናይ ህድማ ዘይኮነ፡ ምዕባለታት ኣገናዚብካ ሚዛንካ ናይ ምትዕርራይ ውሕልነት እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ኤርትራውያን ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ቅኑዕ መሲሉካ ዝረዓምካዮ ሚዛን፡ ደሓር ግና ብግብሪ ግጉይ ምዃኑ ምስ ተኣመንካ፡ “ደጊም የለኹሉን” ኢልካ መንገዲ ደሓን ምሓዝ ናይ መስተውዓልቲ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ብዙሓት ትማሊ ንህግዲፍ ዝድግፉዎ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርሕርሕዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ሓደ እዋን ቅኑዕ መሲሉካ ዝሓዝካዮ መንግዲ፡ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ግጉይ መንገዲ ምዃኑ እንዳነገረካ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ብዝብል ኣምር ደሪቕካ፡ መሳርሒ ናይቲ ከተጽድፎ ዝግበኣካ ጉጅለ ደጋፊ ምዃን ናይ ጥዑያት ኣካይዳ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ነቶም ነቲ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ዘጽድፍዎ ዝድግፍዎ፡ ምኽንያት መደገፊኦም እንታይ ምዃኑ ሓቲትካዮም፡ ካብ እንጽርጽሮትን ምጉብዕባዕን ሓሊፎም ዕቱብ መልሲ የብሎምን። ምናልባት  ካብቲ  ዝምልከቶም ኤርትራዊ ኣጀንዳ ወጺኦም ወያነ ከምዚ ገበረት በዚ ሓለፈት ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ መልሲ የብሎምን።  እቶም ኣብ ክንዲ ዝድግፍዎ ከጽድፍዎ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ግና ነቲ ጉጅለ  ዝቃወምሉ ምኽንያት፡ ሕድሪ ሰማእታትን መብጸዓ ህዝብን ስለ ዝጠለመ፡ መሰል፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ እምነት፡ ምንቅስቓስ ስለ ዝኸልአ፡ መወዳእታ ኣብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና ስለ ዝንብር፡ ቋንቋ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ስለ ዘይዛረብ፡ ኣብ ገዛእ ብመስዋእትኻ ዘውሓስካያ ሃገርካ ሰሪሕካን ነጊድካን ክትዓቢ ናጽነት ስለ ዝነፍግ፡ ምስ ዲሞክራስን ምርጫን ስለ ዘይቃዶ፡ ብሕጊ ዘይኮነ ብጉልበትን ዓመጽን ስለ ዝመርሕ፡ ኤርትራዊ ጉዳይ ገዲፉ ኣብ እንዳማቱ ኢድ ስለ ዘእቱ፡ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ስለ ዝዋገ፡…….ወዘተ እንዳበሉ፡ ነዊሕ ናይ መልሲ ዝርዝር ከቕርቡ ይኽእሉ። ስለዚ እቶም ከጽድፍዎ ዝግበኦም ዝድግፍዎ ዘለዉ ሒደት ኤርትራውያን ሕጂ እውን ደንጉዮም እምበር፡ እቲ ግዜ ስለ ዘይሓለፎም ሃየ በሉ  ናብ ልብኹም ተመለሱ ንብሎም።

ወዲ ሰብ ካብ መኸተን ብደሆን ወጻኢ ኣይነብርን እዩ። ብደሆታት ሓደ ክስገር እንከሎ ብኻልእ ዝትከኣሉ ተኸታታሊ መስርሕ እምበር፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዘቋርጽ ኣይኮነን። ናይ ወዲ ሰብ ድሌት ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ነዚ ድሌታት ንምውሓስ ዘጋጥም ብደሆን ንምስዓሩ ዝግበር መኸተን ከኣ ምስኡ ይቕጽል። ኣብ ተመኩሮና እንተረኣናኳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእታዊ ብደሆ መኪቱ ቅድም ብግብሪ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ  ብድምጹ ልኡላውነቱ ጨቢጡ። እነሆ ከኣ ሎሚ ኣብ ናጻ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዘዓንቀጸ ዲክታቶርነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ ኣብ ቀጻሊ መኸተ ይርከብ።

ብድሆታት ገለን ብተፈጥሮ ገለን ድማ ሰብ ብዝሰሖ ዘጋጥሙ እዮም። ደርቂ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ህቦብላን ንፋስን ማዕበልን ባሕርን ምስቲ ዘስዕብዎ ማህሰይቲ ተፈጥሮኣዎ ብደሆታት እዮም። ውግእ፡ ምምዝባልን ምግሃስ ኩሉ ዓይነት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ከኣ ሰብ ዝፈጥሮም ብደሆታት እዮም። ሓፋሽ ህዝቢ ግና ዓመጽቲ ብደሆታት ብዝመጽዎ ይምጽኡ፡ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ዘይኮነ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ካብ ምምካቶም ንድሕሪት ኣይብልን። ምኽንያቱ ናይ ህልውናን ቀጻልነት ወሳኒ መኸተ ስለ ዝኾኖ። ብደሆታት ንምምካት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ እቲ ዕምቆትን ኣገባብን፡ ከከም ዓቕሚ ናይቲ ኣብዚ መኸተ ዝሳተፍ ህዝቢ ክፈላለ ይኽእል። እቲ ዝምክት ህዝቢ ብኸመይ ዓይነት ምምሕዳር ይምራሕ ከኣ ኣብዚ ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። በዚ መሰረት ኣብቲ መስርሕ መኸተ፡ ገሊኡ ኣዝዩ ይህሰ ገሊኡ ከኣ ብንኡስ ዋጋ ሓንቢሱ ክወጾ ይኽእል።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜኡ ክምክቶም ዝግደድ ድርብ ብደሆታት ኣጋጢመምዎ ኣለዉ። እቲ ሓደ ከም ህዝቡ እቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ተፈጥሮኣዊ ተረኽቦታትን በዓል ግዜ ኮቪድ-19 ኮረናቫይረስን እዩ። እቲ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ብደሆ ከኣ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጠማጠሞ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግዲፍ ዝሃንደሶ፡ ብብኩራት ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ መሰላት፡ ልዕልና ፍትሕን  ጸልማት ዘበን ምምሕዳር ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዩ። ስለዚ እቲ ነባር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግዲፍ ዝመሃዞ ብደሆታት መኪትካ፡ ሕጊ ልዕሊ መላኽነት ውልቀ-ሰባት ሰባት ዝስረዓሉ፡ ወሳኒ ግደ ሕገመንግስቲ ውሕስነት ዝረኽበሉ፡ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዘይንቕነቕ፡ ናብ ወለዶታት ዝመሓላለፍ ባይታ ዝስረተሉ፡ ስርዓት ንምትካል እዩ። እዚ ብደሆዚ ደጋዊ ጽልዋ የብሉን ኢልካ ዝድምደምኳ እንተዘይኮነ፡  ብቐንዱ ኤርትራዊ መኸተ ኮይኑ ዝጸንሐን ክሳብ ዓውት ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዝቕጽልን እዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእስቲ ዝጸንሖ ብደሆ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ሓድሽ ብደሆ ኣንጻር ኮረናቫይረስ ተጸሚዱ ኣሎ። ከም ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ብናይ ምውጻዕ እኩይ ተንኮል ዝኸሓኑ ስማዊ ምምሕዳራት፡ ንዝኾነ ኣሻቕቃሊ ተረኽቦ ኣብ ጸቢብ ረብሓኦም  ንምውዓል ካብ ምቕያስ ንድሕሪት ኣይብሉን እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዚ ኣብ ኣስመራ ኣድብዩ ዘሎ ኣበሰኛ ጉጅለ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ባዕሉ ዝወለዖ ውግኣትን ካልእ ምስምሳትን ከም መኸወሊ ብምጥቃም፡ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ከም መሕብኢ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ፡ ሎሚ እውን ንሓደጋ ኮሮና መዝሚዙ፡ ፖለቲካዊ ጭንጭራ ዓበደ ካብ ምጽዋት ንድሕሪት ከምዘይብል ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። ነዚ ናይዚ ጉጅለ መጻወድያ ናይ ምምካኑ ሓላፍነት ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብደሆታት፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር ግቡእ እዩ።

ሕማም ኮሮና፡ ብትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ንዝተሃስየ፡ ህዝባዊ ምምሕዳር ንዝበኾሮን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ጥዕናዊ ዓቕሚ ዝነብርን ህዝቢ ዝያዳ ከም ዝሃሲ፡ ናይ ፈላጣት መጽናዕቲ ዘረጋገጾን ብግብሪ ዝረአ ዘሎን እዩ። ህዝብ ኤርትራ ከኣ ብሰንክቲ ኣይኮነንዶ ትካል ጥዕና ክኸፍት ዝተኸፍቱ ዝዓጹ ሰይጣናዊ ጉጅለ፡ በዚ ዝተጠቕሰ መለክዒ ንሓደጋ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ብዛዕባቲ ሕማም ከተባብዕን ከጸናንዕን ሞራል ዘየብሉን ለበዳ ኮሮና ንምምካት ካብ ለጋሳት ኤርትራውያን ዝተዋህለለ ገንዘብኳ ኣብ ምንታይ ከም ዝወዓለ ክነግር ብዘይደፍር ጉጅለ ክድሕን ኣይክእልን እዩ። ብሳላቲ ኣብ ጥሙይ ከምዱን ጽሙእ ጐረርኡን፡ ብትካል ጥዕና ዓለምን ካለኦት ግዱሳትን ዝወሃብ ምኽርታትን መምርሕታትን ብምስማዑን፡ ስርዓት ዘኽብር ባህሉን ነዚ ሕማቕ እዋን ከም ዝሰግሮ ትስፉው ምልክታት የርኢ ኣሎ። ነዚ እዱብ ኣካይዳኡ ከኣ ክቕጽሎ  ነዘኻኽሮ። ብሰንኪ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብኣካል ቀሪቦምኳ ንብዓቱ ክሕብሰሉ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ደቁ ኣብ ጐኑ ምህላዉ ከኣ ካልእ ንኤርትራዊ  ዘተባብዖን ተስፋ ዘስንቖን እዩ። ስለዚ ህዝብና ነቲ ከም ዓለሙ ገጢምዎ ዘሎ ብደሆ ለበዳ ኣላሽ ኣቢሉ፡ ናብቲ ንብዙሕ ዓመታት ምስኡ ዝጸንሐ ከም ህዝቢ ፍትሓዊ ቀጻልነትካ ናይ ምርግጋጽ ቃልሱ ከም ዝምለስን ከም ዝዕወትን ከኣ ብምሉእ ልቡ ትስፉው ክኸውን ይግበኦ።

እቲ ሃገርና ዝሕምስ ዘሎ ዘይርጉእ ጉጅለ፡ ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ዓቢራ፡ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ጉጅለቢሳያስ ኣብ ቫይረስ ኩሮና በጺሑ፡ ምእንቲ ህዝቢ ክርህርህን ክሓልን ዘበት እዩ። ሕክምና ኮሮና ቫይረስ ጉጅለ ህግዲፍ ዘይውንኖ ፈውስን፡ ልዑል ዓቕምን ፍልጠትን ዝሓትት እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢዱ ዘሎን ብቃልሱ  ዝመጸኦን ጭቆና ዘወግድ፡ ሰላም ዘረጋግጽ፡ ልዕልና ሕጊ ዘውሕስ  ኮታ ኤርትራዊ  ከም ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብናጻ ክነብር ዘኽእሎ መድሃኒት ክረክብኳ ኣይፈቐደን። ኣብ ሎሚ ግዜ ኮሮና በጺሑ ክልውህ ዝኾነ ኣካል ክጽበዮ ኣይግባእን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቀደም ዓለም ረብሓኣ ኣቐዲማ ክትጠልሞ እንከላ፡ ካብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገሩ ንድሕሪት ዘይበለ፡ ሎሚ እውን፡ ቀዳምነታቱ ብምስራዕ ነዚ ድርብ ብደሆታት ብድርብ መኸተ ክስዕር ክጸንዕ ይግበኦ።

ምውጋድ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1991 ምስተጋህደ፡ ብግብሪ ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና። ድሕሪ 3ተ ዓመታት ናጽነት ብ1993 ከኣ ብመንገዲ ረፈረንዱም ልኡላዊት ኮይና። እዚ ኩነታ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ ምዕራፍ ዛዚሙ ናብ ሓድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ምዕራፍ ምስግጋሩ ዘበሰረ  ነይሩ።

እዚ ኣብ ኤርትራ መግዛእቲ ዝተወገደሉ ማዕበል ኣብ ኢትዮጵያ እውን ለውጢ ኣኸቲሉ እዩ። እቲ ንኤርትራ ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ዝገዝእ ዝነበረ ስርዓት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እውን ስለ ዝተሳዕረ ኢትዮጵያ እውን ከም ኤርትራ ናብ ሕድሽ ምዕራፍ ኣትያ እያ። ዝርዝሩ ንኢትዮጵያውያን ዝግደፍኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኢትዮጵያ መሰል ብሄራት ዝማእከሉ፡ ዘይምእኩል ምምሕዳር ዘውሕስ ሕገመንግስታዊ ባይታ ፈጢራ። በዘይካዚ ናብ ቅድሚ  ሕጂ ኣብ  ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕቤትን ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ተፈላጥነት በጺሓ። ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ግና ውድቀት ናይቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዝነበረ ሓይሊ፡ “ንኤርትራ ምስ ኣፍደገ ባሕራ ኣስኢኑና” ብዝብል ኣብ ዘይለዓቱ ተረድኦ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣትያቶ ዝጸንሐት ምዕራፍን መሪሕነቱን ኣይንእድዎን።

ኢሳያስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክልቴና ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነስ ብልቢ ወኪለዮ ኣለኹ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብን ሃገርን ዘይኮና ሓደ ኢና፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ግዜ ውግእ ኣይከሰርናን፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ከኣ 30 ዓመታት ኣባኺንና” ክብል ዝሰምዑ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ እዚ ዲክታተር ነቲ ብውድቀት ደርጊ ዝሰኣንዎ ኤርትራዊ ጸጋ ናብ ኢትዮጵያ ክመልስ ከም  ዝመጸ መልኣኽ ወይ ነብዪ ኣምሲሎም ከጸባብቕዎ ሰሚዕናን ተዓዚብናን። እዚ ንርዝነቲ ኤርትራ ናጻ ክትከውን ዝተኸፍለ ክቡር ኤርትራዊ ዋጋ ብምዝንጋዕ፡ ዋናቲ ናጽነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ሓደ ጉሒላን መዕለበጥን  ጉጅለ ገይርካ ካብ ምርዳእ ዝነቅል ናይ ስንኩፋት ተረድኦ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ናጽነት፡ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ብዛዕባ ድሕረ-ባይተኦም እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘይጸንሖን ኣብ ናጽነት ብዝነበሮ ህርፋንን፡ “ሰብ ድሓን እዮም” ኢሉ ክቕበሎምን እምነቱ ከንብረሎምን ውሁብ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ህዝቢ ብቕንዕና ዘንበረሉ እምነትን ኩነታቱ ኣማዓራርዩ ናብቲ ሓድሽ ምዕራፍ ንክሰጋገር ዝሃቦም ዕድልን መዝሚዙ እንታይ ከም ዝገበረ ኩልና እንፈልጦን ውጽኢቱ ሕጂ ንርእዮ ዘለናን እዩ። ሓደ ኣብነትኳ ንምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕገመንግስቲ ክትግበረሉ እንዳተጸበየ፡ ኢሳያስ ግና እቲ ዝጸደቐ ተጓሒፉ’ዩ ምባሉ ናይ ጥልመቱ ዕምቆት መርኣያ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ካለኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ይጽበዮ ከም ዝነበረ፡ ድምጻዊ ተኽለሚካኤል ገብሩ ኣባል ጉጅለ ባህሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እንከሎ “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ከም ዝበሎ  ይርዳእ ነይሩ እዩ። እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ግና ብኽልተ ምኽንያታት ከምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከቢድ፡ ንዊሕ ግዜ ዝወስድን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት እቲ ቃልሲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ሓባር ተመኩሮ ዝውንኑ ኤርትራውያን ዝካየድ ጐነጽ ዘየኸትል ኩልኻ እትዕወተሉ መስርሕ ዳግመ-ህንጻ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ። እቲ ካለኣይ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ዝተጠርየ ተመኩሮን ዝሓደረ ምትእምማንን ንኣሳልጦ ካለኣይ ምዕራፍ ክሕግዝዩ ዝብል ተረድኦ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ውጽኢት ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ነዚ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልስና ናብዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ኩርኳሕ ዘደየቦን ግዜኡ ዘናወሖን ብዙሕ ወድዓውን በዓል ቤታውን ረቛሕታትኳ እንተለዎ፡ እቲ ቀንዲ ናይቲ እምነት ተነቢርሉ ዝነበረ ጉጅለ ጥልመትን ክሕደትን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ ናጽነት ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዝነበረ ምስተረደ፡ ብዘይካቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብደረጃ ውድባት ሰልፍታትን ካልእ ምልዕዓላትን ዘካይዶ ዝነበረን ዘሎን ቀጻሊ ቃልሲ፡ ሕቶ ሓርበኛታት ማይ ሓባር፡ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ 1993 ኣብ ድሮ ምእዋጅ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ማንፈስቶ ምሁራት በርሊን፡ ምንቅስቓስ ጉጅለ-15ን ምዕንባብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መጽሐታትን፡ ሓያል ፈተነ ወዲ ዓልን ብጾቱን፡ ናይዚ ቀረባ ግዜ ስምዕታ ኤርትራውያን ዶክተራትን ንቕሎ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን፡ ዋላኳ በቲ ዝተጸበዮ ዕምቆትን ቅልጣፈን እንተዘይሰለጦ፡ ህግዲፍ ንምውጋድ ካብ ምቅላስ ዓዲ ከምዘይወዓለ ዘመልክት እዩ። ህግዲፍ ከኣ ነዚ ምንቅስቓሳትን ጠለባትን ክምልስ ዘይምኽኣሉ፡ ክሳብ ክንዳይ ካብ ጸወታ ወጺኡ ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ።

ጉጅለ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐን መመሊሱ ዝዓኩኽ ዘሎን ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ብናትካ መጽናዕትን ምምርማርን ኣሰኒኻ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ንባብ ዝምጥን ስጉምቲ ክወስድ ባህሪኡ ኣየፍቅደሉን እዩ። ናቱ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ ነቲ ብደሆ ፊትንፊት ምግጣም፡ ዘይዛመድ መህደሚ ምስምስ ፈጢርካ ካብቲ ሓቂ ምህዳም እዩ ዘቐድም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኤርትራዊ ዋኒኑ ገዲፉ ናብ ደገ ብምምዕዳዉ ንህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ብዘይምሃብ። ከምቲ “ንበዓል ነጐዳስ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል፥ ሕሉፍ ሓሊፉ ኤርትራዊ ዋኒኑ ኣቐሚጡ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ “ከም ጉዳይና ወሲድና ኢድና እነእትወሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና እንዕዘቦ ኣይኮነን” ብዝብል ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ መዘዝ ክዕድመሉ ዝሰማዕናዮ።  ምናልባት እዚ ጉጀለ ንሓንሳብ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ንሓንሳብ ድማ ብዛዕባ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክህውትት እንከሎ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነት ዝትከኣሉ ይመስሎ ይኸውን። እንተኾነ እዚ ኣብ ክንዲ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ፡ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ከስርሖ ዝፍትን ዘሎ  ፍሑኽ ከይበለ ዝተኾርመሸ  ዲፕሎማስያዊ  ፈተነኡ፡  ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ፍሽለቱ ዝተረጋገጸ እዩ።

ቃልስና ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝኣተናዮ ምዕራፍ፡ ክንድቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዘይምዃኑ ይርደኣና እዩ። እንተኾነ ከምቲ ገለ ተስፋ ቆሪጾም ተስፋ ንከቕርጹን ዘየለ ትስፋ ህግዲፍ ከለምልሙን “እንተ ጸርፊሞ ዝገደፍና የብልናን፡ እንተ እተን ኣሓ ከይደን እየን” ዝብልዎ ኣይኮነን። ተወሳኺ ክቡር ዋጋን ግዜን ደኣ የኽፍለና እምበር፡ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ከም ዝዕወትስ ኣይንወላወለሉን ኢና።

ህዝቢ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ምኽንያት፡ ንሃገራዊ ነጻነትን ማሕበራዊ ፍትሕን እምበር፡ ንእዋኑ ዝሓለፈ ባርነት ኣይነበረን። ነዚ ዕላማ‘ዚ ንምዕዋት እዩ ከኣ፡ ክትሰግሮስ ይትረፍ ክትሰምዖ‘ውን ዘደንቕ ማእለያ ዘይነበሮ ተጻብኦታት ሰጊሩ፡ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ መስዋእትን ዕንወትን ከፊሉ ነጻነቱ ክጭብጥ ዝበቕዐ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ትርጉምን ክብርን ነጻነት ተረዲኡ፡ በዅሪ ወፍዩ ሕሳስልደ ዝደግም ጅግናን ንኩሉ ዝጸውርን ህዝቢ ሓለፋስ ይትረፍ፡ ዝግብኦ ዋጋ ነጻነቱን ጸጋ መሬቱን ዘይገሃስ ሰብኣዊ ክብሩን ዕድል ክረክብ ምግባሩ ዝግብኦ‘ምበር ግንዖ ኣይኮነን።

እንተኾነ ከምቲ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምርቓ ዝበሃል ምስላ ኣበው፡ ምስቶም ሰውራ መሪሖም ዓወት ዘረጋገጹ ጀጋኑ ተጸጊዑ ዝኣተወ ጸላእ ሰናያት ብዝሓደሮ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ነጻነትና ተጨውያ ብልጭ ኢላ ስለ ዝዓረበት፡ ክሳብ ሎሚ ንሳቐ ኣሎና። ከም ውጽኢቱ ከኣ ኤርትራ ሎሚ ብዘለዋ ኩሉ መዳያዊ ጸጋን ዓቕምን፡ ኣብ ውሽጢ‘ዘን ናይ ነጻነት ዓመታት ሓጥያታ ተወዲኡ፡ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ክትስራዕ ዝግብኣ፡ ናይ ድሕረትን ዕንወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ናይ ሕማቕ መመሰሊ ኰይና‘ላ።

ሎሚ ጠንቂ ናይ‘ዚ ኩሉ ሕሰምናን መከራናን ብቀዳምነት ዝሕተተሉ ኣካል ኢሳያስ እኳ እንተኾነ፡ ከም ድላዩ ክዘርግ ዘፍቀደ ግን፡ እቲ ኩሉ ከፊሉ ነጻነት ዘምጽአ ህዝብና ምዃኑ ክእመንን፥ ሕጂ‘ውን ሕሉፍ ናይ ዓወታት ታሪኹ ዳግማይ ክደግሞ ዝግብኦ ባዕሉ‘ምበር ዝትኰብ ወይ ዝምጽወት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነዩ ድማ እቲ ድሕሪ ዘይቅዱስ ቃል ኪዳን ዶ. ኣብይን ኢሳያስን ዘርእየና ክሕደትን ነጻነት ኣሕሊፍካ ምሃብን ዝፈጠሮ ፍሉይ ናይ ይኣክል ተበግሶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ብናህሪ ክቕጽል መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ ዝኸውን።

ልክዕ‘ዩ ሰብ ኣማሚ እዝጊ ፈጻሚ ከም ዝበሃል፡ እዚ ይኣክል ኢሉ ነዲሩ ዝተበገሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ድኽመታቱ ኣመሓይሹ፡ ዓቕምታቱ ኣስሚሩ፡ ነዚ ገበነኛ ስርዓት ኣልጊሱ፡ ነዛ ሎሚ ዘብዕላ ዘሎ ስማዊት ነጻነት ናብ ግብራዊት ነጻነት ለዊጡ ከብዕላ ባህግን ድልየትን ነይሩዎ‘ዩ። ኣምላኽ ዝመደቦ ግን ንብዓለማ ዘጨንቕን ቀዛፍን ሕማም ኣውሪዱ፡ ደቂ ሰባት ብሓደ ክሰርሑስ ይትረፍ ካብ ገዛ ከይወጹ ዝእግድ ኩነታት ብምፍጣሩ፡ ቃልስና ክተዓናቐፍ እኳ እንተኸኣለ፡ ዕላማና ካብ ምዕዋት ክዓግተና ከም ዘይክእል ዝእምቱ ግን ሓያለይ ምልክታት ምቕራብ ይከኣል‘ዩ።

ካብ ብዙሓት ብውሑዱ፡-

1 - ዕብዳንን ጽላለን ኢሳያስ ካብ ዝተሓብኣሉ በዓቲ ኣብ ቃልዕ ምውጽኡ፤

2 - ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ዝተረጋገጸት ነጻነትና ምኽሓዱን፡ ኣሕሊፉ ኣብ ናይ ምሃብ ሕሱርን ዘይትግበር ተዋስኦ ምጽዋቱን፤

3 - ብህዝቦምን ሃገሮምን ዝግደሱ መራሕቲ ዓለምና ኣንጻር ለበዳ ሕማም ኮረና ፍሉይ ባጀት መዲቦም ንህዝቦም ዘድሊ ገንዘባውን ንዋታውን ሞራላውን ሞያዊ ምኽርን ብምሃብ ምስ ህዝቦም ክረባረቡ ከለዉ፡ ንሱ ግን ነታ ዝተሓተት መሰረታዊት ቀረብ ማይ‘ኳ  ከቕርብ ዘይምኽኣሉ፤

4 - ደቂ ሰባት ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ንኢትዮጵያ ከይዱ መስኖ ልምዓት እንዳማቱ ክምርቕ ምርኣዩን፤

5 - ህዝቢ ኤርትራ ካብ መራሒኡ ዝነበሮ ትጽቢት መሬት ዘቢጡ፡ ንህላወኡ ሓላፍነት ክወስድ ከም ዘለዎ ዘመልክት፡ ንሕማም ኮረና ንምክልኻል ኢድንኢድ ተተሓሒዙ ነዛ ሕማቕ እዋን ክሰግራ ብዘርእዮ ዘሎ ናይ ኣሎና ዘስምዕ ግብረመልሲ፡ ካብ ደገን ውሽጥን ዝልገስ ዘሎ ዝምስገን ወፈያታትን ምጥቃስ ይከኣል።

እዞም ልዒሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓቅታት ዘነጽርዎ ሓቂ እንተልዩ፡ እዚ ኣብ ጐዳጉድ ሳሕል ተሓቢኡ ገበኑ ሸፊኖም ኣብ ስልጣን ንክበጽሕ ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ጀጋኑ እናበልዐ፡ ካልኦት ብዝፈጸሙዎ ታሪኽ ተጐልቢቡ ንስልጣኑ ዝቃለስ ዝነበረ ጋኒን በዓቲ ዓምበርበብ ኢሳያስ፡ ሃገር ክመርሕን ከመሓድርን ፍጹም ብቕዓት ዘየብሉ ፍሹል ውልቀመላኺ ምዃኑ‘ዩ።

ዘይሕረስ ጥንስን ዘይቅላዕ ጉድን ስለ ዘየሎ ድማ‘ዩ፡ ነቶም ተሰኪሞሞን ሰቲሮሞን ዝነበሩ ብጾቱ ሚንስተራት ምስ ኣሰሮም ዕርቃኑ ወጺኡ መኣዝኑ ስሒቱ፡ ኣብዚ ሓልዮትን ሓላፍነትን መራሕቲ ዝፍተነሉ እዋን ኣስቂጡን ተሓቢኡን ዝሓልፎ ዘሎ። እዚ ምሕባእ‘ዚ ግን ከምቲ ልሙድ ናይ ክፍኣት ኣመሉ፡ ንህዝቢ ዝስተ ማይ ዘይቀረበስ ብምኽንያት ኣንበጣን ሕማም ኮሮናን ክዝቲ ኣመኽንዩ ንኢትዮጵያ ከይዱስ ፕሮጀክት ልምዓት ኢትዮጵያ ክምርቕ ምርኣዩ ንዘይፈልጡኻ በሎም፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምዚ ዝበለ  ሽጣራ ዝወሃብ፡ መልስና ግን “ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ“ እዩ። ምስጢር ናይ‘ቲ ዘይቅርዑይ ሽጣራ እንታይ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ ከኣ፡ ካብዚ ኣንጊህና ዝቐበጽናዮ ናይ 1991 ሓደጋ ኮሮና ዝኾነ ሳዲስት ኢሳያስ ከይተጸበና፡ ኣብ ኣምላኽናን ውሽጣዊ ዓቕምናን ተመርኲስና፡ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዓቕምና ብሓደ ጸሚድና ንኩሉም ጸገማትና ጉሒፍና ሰላም ከነንግስ ኢና።

ናይዚ ጭቡጥ መልሰተግባር ከኣ፡ እዚ ብግዜ ራዕዲ ዝጭክን ብግዜ ጸገም ዘይደንን ሓርበኛን ሓቦኛን፡ ካብዚ ፈታኒ ደረት ኣልቦ ለበዳ ሕማም ኮሮና ንምስዓር ዝውሕዝ ዘሎ ዘደንቕ ገንዘባውን ንዋታውን ሞራላውን ወፈያታት እኹል ምስክር‘ዩ። እዚ ከኣ ነቲ ጉዳዩ ገዲፉ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኣትዩ ዝምድርን ህውከት ዝጽሕትርን፡ ኣብ ሰላምን ራህዋን ክነብር ውሽጣዊ ባህርያቱን መዘና ኣልቦ ገበናቱን ንዘይፈቕደሉ ጕሒላ ኢሳያስ ዓቢ ፖለቲካውን ሞራላውን ጽፍዒት‘ዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ንኩለን ነዚ ፋሉል ጉጅለ ዝሕግዛ ሰብ ጸጋ ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ይፍጽማ ምህላወን ኣሚነን እቕሬታ ክሓትታን፡ ካብ ዘለዎ ሕሱም መግዛእቲ ንክገላገል፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ወጊነን ዓጸፋ ክኽሕስኦን ታሪኻዊ ሓላፍነተን ክስከማ ብኣኽብሮት ንሓተን። እቲ ንምንዋሕ ገበን ኢሳያስ ዝወሃብ ሓገዝ ንደምበ ፍትሒ እንተፈሲሱ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መዓት ስለ ዝገላገል ንእኣተን ክብሪ ካብ ህዝብና ድማ ምስጋናን ሞጐስን ከም ዝረኽባ ክፈልጣ ይግባእ። በዚ ከኣ ኩሉ ብጉጅለ ህግደፍ ዝሓዘነ ህዝቢ ክድበስ፡ ዝተረመሰ ህይወት ክሕደስ፡ ዝዓነወት ሃገር ናብ ንቡር ሂወት ክትብገስ፡ ዝተበተኑ ደቃ ሓቚፋ ንዝመጽእ ዓመት ጽንብል ነጻነት ብሓባር ክንሕጐስ ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ መዘና ኣይህልዎን። እዚ ዝፈጠሮ ሓቀኛን ግብራውን ሓርነት ከኣ ንዕቑር ጸጋ ሃገርና በርቢርናን ኣፍሪናን ነብስና ክኢልና፡ ካብ ምጽወታ ተገላጊልና ክንልግስ ኣብ እንኽእለሉ ቦታ ናይ ምስግጋርና ዝህልዎ ተኽእሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ነዚ ብሩህ ተስፋ እናጠመትና ኢና ድማ፡ ነዛ ናይ 2020 መወዳእታ ዕድመ ህግደፍን ድልዱል መሰጋገሪት ፍጹም ሓርነትናን ንምግባራ ቃልስና ብምሕዳስ ነብዕል ዘሎና። ኣብዚ ምስ እንዕወት ከኣ ኣኺሉ ንዝተርፍ ሽሻይናን ጻዕራምን ተበላሓትን ዓቕሚ ህዝምና ተጠቒምና፡ ሓንቲ ብልጽግትን ኩሉ ዝብህጋን ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ሃገር ሃኒጽና፡ ምስተን ዝማዕበላ ሃገራት ክንስራዕ ዘሎ ተኽእሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ነዚ ዓቐብዚ ንምድያብ ግን፡ ቅኑዕን ውሁድን ኣሳታፍን ሕጋዊ ውክልና ዘለዎ መሪሕን ዝምርሓሉ መገድን ምሕንጻጽ፡ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ኮይኑ ብቕዓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝፍተናሉ መድረኽ‘ዩ። ተሳትፎ ዝተፈላለያ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ሞያውያን ትካላትን ምሁራትን፡ ኒሕን ሓቦን ንቕሓትን ዝዓጠቐ ተሳትፎ ህዝብን ከኣ፡ ልዑል ተራ ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ‘ዩ። እዚ ማለት ግን ተደራቢ ሓይሊ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ዝሑልን ውዑይን ኩነታት ዋልታ ኮይኖም ብጥራሕ ከብዶም ሃገር ዝሕልዉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ‘ምበር መተካእታ ከም ዘይከውን ብምርዳእ፡ ብልቦና ክተባብዑን ክምኮሩን እምበር ክዋሰኑ ኣይግባእን። እኩብ ድምር ናይዚ ኩሉ ዓቕምታት‘ዚ ከኣ፡ ነታ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተትን ኩልና እንብህጋን፡ ወሊድና ነዕብየላን ዘሪእና ነፍርየላን፡ ሜትና እንቕበረላን፡ ቀሲንና እንሓድረላ ፍረ ሰማእታትናን ጻማ ጻዕርናን እነስተማቕረላ ሓራ ሃገር ከነረጋግጽ ዘብቅዓና።

ኣብ መደምደምታ ነዛ ሎሚ ብጐቦ ልብና እነብዕላ ዘሎና ዕለት ነጻነት እንቋዕ ኣብቅዓና፡ከምኡ‘ውን ንኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ዒድ ሙባረክ እናበልኩ፡ ንዝመጽእ ዓመት ንኩሉ ብድሆታት ሰጊርና ማንም ዘይሽቝረረላ ከም ባህግናን ድሌትናን ምስ ምሉእ ጥዕና እነብዕላ ኤርትራ እምነ። ነዚ ልግሲ ዝኣመሉ ለዋህን ሓላይን ዝኾነ ህዝብና ብዝገብሮ ዘሎ ልዑል ወፈያ ክብርን ኣድናቖትን እናሃብኩ፡ ትሕዝቶ ኢድካ ይባርኽ ድሕሪ ምባል፡ ክሳብ እዚ ቀዛፊ ለበዳ ሕማም ዝስገር ነቲ ዝወሃብ ናይ ሕክምና ሞያዊ ምኽሪ ብጥብቂ ክትከታተል እመክር።

ኣብ መወዳእታ ንኩሎም በዚ ቀዛፊ ሕማም ህይወቶም ዝሰኣኑ መንግስተሰማይ፡ ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ጽንዓት፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ከኣ ምሕረትን ድሕነትን እምነ።

ክወግሕዩ ሻማሻማ ክሳብ ሙሉእ ናጽነት!

ዓወት ንፍትሓዊ ቓልስና

ውድቀት ንሓይልታት ጭቖና።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን 22.05.2020

ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ከቢድ ዕማምን ሓላፍነትን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ሃገርና ብሰንኪቲ ንሕስያ ዘየብሉ ጭቆና፡ ዘላትሉ ሕሱም ኩነታት ብሩህ ስለ ዝኾነ። ብኽንድኡ ደረጃ ከኣ ነዚ ኩነታት ናይ ቀይርካ ናይ ራህዋ ምዕራፍ ምኽፋት ሓላፍነትና ንጹርን ከቢድን እዩ። ዕማምና ነቲ ንህዝብና እንዳጨቆነ ብኣኡ ዝሕጭጭ ዘሎ ሕሱም ጉጅለ ምውጋድ እዩ። ናይዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽዚ ዕማምና ለውጢ ምርጋጽ ኮይኑ፡ ቅድሚት ደኣ ኣይንሰርዖን እምበር ዘይንዝግዖ ናይ ጽባሕ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ኢሳያስ ዕማም እውን ኣለና። እቲ ናይ ጽባሕ ዕማምና ልዕልና ህዝቢ ኤርትራ ብዘረጋግጽ ስርዓት ኣብ ውሑስ ባይታ ምትካል እዩ። ናይ ጽባሕ ዕማሙ ዘይፈልጥ ሎሚ እንተተዓወተ እውን ናብቲ ዝነበሮ ዕንክሊል ስለ ዝምለስ ብዛዕባ ንጽባሕ ዝጽበየና ክንሓስብን ከሎ ጋና መንገዲ ክንጸርግን ግድን እዩ።

በቲ ድሕሪ ምውጋድ ህግዲፍ ዝፍጠር ራህዋ፡  ብዘይካ እቶም ውሑዳት ሎሚ ምስቲ ጉጅለ ኮይኖም ህዝቦም ዝጠለሙ፡ እንጥቀምን እንርባሕን፡ ኩልና ኤርትራውያን ኢና። “ሰላምን ራህዋን ኤርትራ ሰላምና እዩ” ዝብሉ ዘይኤርትራዊ ወገናትውን ከምኡ ተጠቀምቲ እዮም። እቲ “ኩልና” ዝብል ሓሳብ ኣብ ናይ ጽባሕ ተጠቃምነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኣብቲ ናብ ለውጢ ዘብጽሕ ቃልሲ ምብርካት እውን ህያው እዩ። እቶም ኩሎም ከበርክቱ ይግበኦም ንብሎም ዘለና ኣካላት ለውጢ፡ ኣበርክተኦም ብሃቦ ተረከቦን ዘይተጸንዐን ዝኽየድ ሕዝግድፍ ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዝተወሃሃደን ቀጻልን፡ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ዕላምኡ ዘነጸረን ነቶም ዕማማት ከከም ቀዳምነቶም ኣብ ምትግባር ዘኽእሎ ንጹር ራኢ ዘለዎን ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ድማ ወትሩ “ብሓባር ከቃልሰና ዝኽል መድረኽ ምፍጠር መተካእታ ስለ ዘየብሉ ኣብኡ ነትክል” እንብልን ንምዕዋቱ ቅድሚት ሰሪዕና እንቃለስን። እዚ ብሓባር ምቅላስ ክንድቲ ኣገዳስነቱ መተካእታ ዘየብሉ፡ ከም ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብቕዓትና፡ ሓላፍነትናን ድልውነትናን ዝፍተነሉን ምዃኑ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና እዩ።

እዚ ምጥጣሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ፈታኒ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ጉዳያት ከምቲ እትደልዮ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ክኾኖ ዝኽእል ከም ዝኸውን ኣሚንካ ምሓዝ ከም ዝግባእ ክንርዳእ ዘይምጽናሕና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህጹጽን ናይ ሎምን ዕማም፡ ካብቲ ግዜ ዝህብን ጽባሕ ክዕመም ዝግበኦን ፈሊና ኣብ ክንዲ ንሕዝ፡ ንክልቲኡ ደዋዊስካ ክትከይድ ናይ ምድላይ ስምዒት እውን ካብቶም ክዕንቅጹና ዝጸንሑ ምኽንያታት እዩ። ብዘይካዚ ከም ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበርን ህዝባዊ ምንቅስቓስን እንታይ እየ ክገብር ዘለኒ? ኢልካ ዘይምንጻር በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ሎሚ ናይዚ ዝተወደበ ኣካላት ሓላፍነት እንታይ እዩ? ሎሚ ዘይውዳእ ጽባሕ ህዝቢ ብሕገመንግስታዊ ውሳነ ናይ መወዳእታ መልክዕ ከትሕዞም ዝግደፉኸ ዛዕባታትከ ኣየኖት እዮም? ኣብ ዝብል ንጹር ግንዛበ ዘይምሓዝ እውን ኣብቲ ጸገማትና ዝጽብጸብ ሎሚ ግና ኣቓልቦ ዝረክብ ዘሎ ዝመስ ዘሎ ሕጽረት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ መስርሕ ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን ዘለና ትዕግስቲ፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ካብ ቅድም ጀሚሩ ከምቲ ክኸውን ዝግበኦ ዘይምጽንሑ  ክሳብ ክንደይ ከጸግመና ከም ዝጸንሐ ርዱእ እዩ። ንተበግሶታት ኣብ ክንዲ ብትሕዝተኦም ብመንጽርቲ ዘበገሶም ኣካል ምምዛን እውን ሓጋዚ ከምዘይጸንሐ ንፈልጦ ኢና።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ግዜ ብፍላይ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንዘይኤርትራውያን  ተዓዘብቲ እውን ኣዝዩ ብዘደንጹ ኣገባብ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈልየን የብለንን” ብዘስምዕ ቃና ተጠሊዖ እሞ ከኣ ናይ ሗጐስ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ፡ ከም ዝመደረ ዘይንዝገዖ እዩ። እዚ መርዛም ተግባሩ ነቲ  ብመስዋእቲ ኣሸሓት ደቃ ኣብ ዝተመድመደ ጽኑዕ ባይታ ስለ ዝተድኮነት ዝንቕንቓ የለን ኢልና ዘይንስከፈሉ “ልኡላውነት ኤርትራ” ዘራኽስን ዝዋገን ካብ ምስ ቀልቡ ዘሎ ሰብ ዘይትጽበዮ፡ ዕዉር ድፍረት እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ካብ ቅድም እውን ኣብ ሕልና ኩልና ዝጸንሐ፡ ንተጸዋዊርካ ብሓባር ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ናይ ምርዓም ዓቕምናን ልቦናናን ዝያዳ ከም ዝዛየዶ ክንዕዘብ ክኢላን ኢና።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዕዘቦ ዘለና ናይ መብዛሕተአን ኤርትራዊ ጽላላት፡ ግንባራትን ውድባትን ኣብ ተስፋ ዝህብ ዘተ ምህላወን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝኽሪ መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ወሲኽካ ኣብ ብዙሓት ንኤርትራን ህዝባን ዘገድሱ እዋናዊ ዛዕባታት ናይ ሓባር መግለጽታትን መዘክራትን የውጸኣ ምህላወን ናብቲ ንቡር ሓቢርካ ናይ ምቅላስ መንገዲ ይመጻ ምህላወን ዘመልክት እዩ። እቲ “ሓቢርካ ምቅላስ” ዝብል ኣምር ደረጃታት ዘለዎን ክሳብ ምጽንባር ውድባት በጺሕካ ዘይተደላይ ምርባሕ ውድባት ናይ ምውጋድ ተልእኮን እውን ስለ ዘለዎ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ድሕሪ ተኸታታሊ መስርሕ ዝተ፡ ተሓናፊጾም ሓደ ሰልፊ ክኾኑ ምስምምዖም ብኣውንታዊ ኣብነት ዝጥቀሰን ኩልና ውድባትን ሰልፍታትን ክንስዕቦ ዝግበአናን እዩ። በቲ ኮነ በዚ፡ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና  ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣርን ፍጹም ምጽንባራት ናይ ፍልልይ ዘየብሎም ኣካላትን ክድፈኣሉ ዝግበኣና እዩ።

ኣብዚ ናብ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ንገብሮ ዘለና ጉዕዞ፡ ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ብግቡእ ከነተዓርቕ ይግበኣና። እቲ ሓደ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራን ህዝባን እዩ።  እቲ ካልእ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ብውዱብ ይኹን ብውልቂ እንውንኖም ናይ ኣተሓሳስባን ካልእ መንነትን ፍሉይነት እዮም። እቲ  መንነት ንብሎ ዘለና፡ ብዘይካቲ ኣብ ክሊ ኤርትራውነት ዝሕቆፍ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት፡ ንባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቋንቋውን ካልእ ብዙሕነትናን ኣብ ግምት ዘእትው እዩ። ኣብዚ ዕዉታትን ሓድነትና ስጡምን ክንከውን ከኣ፡ ንኤርትራዊ ሓድነት ነዚ መግለጺ ብዙሕነትና ብዘሕቅቕ ዘይኮነ፡ ዝያዳ ብዘሕይልን ዘሰስንን ኣረዳድኣ ክንግንዘቦ ክንበቅዕ ይግበኣና። በቲ ኮነ በዚ ከምቲ ወለድና “ብልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝብልዎ፡ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ውልቃውን ጉጅላውን ስምዒትና ኣመሓዲርና፡  ብቅንዕናን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ተሰሪዕና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ካብ ምፍጣር ዝዕንቅፈና ጉዳይ የለን። ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ዋጋ ስለ ዘኽፍል ከኣ፡ ሕጂ እውን በዛ ሒዝናያ ዘለና መንገዲ ብቕልጡፍ ናህሪ ንቕድሚት ክንስጉም ይግበኣና።

ብዕለት 23.05.2020 ዓ.ም.ፈ. ምሉኣት ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.  ጨንፈር  ቁ, 1ን  ቁ. 2ን ብኤለትሮኒካዊ  መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳሲ ሙዉቕን ኣኼባ ኣካይዶም። ኣኼባ ብክልተ ኣቦ መምበራት ክልቲኡ ጨናፍር ተኸፊቱን ተማእኪሉን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝተኻየደ   ማለት፡  ዓቢ ብስራት ስምረት ሰዲህኤን  ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን (ህ.ዲ.ም.ሓ.ኤ.)  በዓል ዒድ ኣልፈጠርን  ዝኽሪ በዓል ነጻነት ፍትውቲ ሃገርና መበል 29 ዓመት ብምዃኑ  ፍሉይን ኣገዳስን ይገብሮ።  እዚ ማለት ቀንዲ ኣጀንዳኡ  ኣብ ህልዊ ኩነታት ጨናፍርን ሰልፍን ዘተኮረ ሰፊሕን ዓሚቑን ሃብታም ሓበሬታን ልዝብን ዝትሕዝቶኡ ኮይኑ ን3ተ ሰዓታት ዝወሰደ ነይሩ።  ጨናፍር ሰዲህኤ ሃገር ሽወደን ብክልተ ኣባላት ፈጻሚት  ሽማግለን 3ተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ዝሓቆፈ ብምዃኑ ብዝያዳ ፍሉይ  ይገብሮ። ኣኼባ ብዝተረኽበ ዓወት  ስምረት ምስ  ህ.ዲ.ም.ሓ.ኤ. ዮሃና ንተቓላሳይ  ህዝብና ሞጎስን ምስጋናን  ንተባዕ መሪሕነት ሰልፍን  ብምድናቕ  ሃየ መርሹ  ቀጽሉ ብምባል ኣስሚሮምሉ።  ብተወሳኺ  ኣኼባ እዚ ሎሚ ንዓለምና ኣሻቂሉ ዘሎ ተላባዲ ሕማም  ክሳብ  ሕጂ ድሓን ብምህላውና ኣመስጊኑ ንቀጻሊ ብዘይ ምጭናቅ  ግና ብልዑል ምጥንቃቕን  መምርሕን ምኽርን  ናይ ዝምልከቶም  ሰበ ስልጣን ህዝባዊ ጥዕና  ምኽታል ከም ዘድሊ ብምዝኽኻር ከምዚ   ኣገባብ ኣኼባ  ስሩዕን ቀጻልን  ክኸውን  ተሳማሚዕም ።

ብድጋመ ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጠር !!!

ርሑስ  ዝኽሪ መበል 29  ዓመት በዓል ናጽነት ሃገርና !!!

መርሓባ ስምረት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉእትና !!!

ዉድቀት ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ።