ኣውሃሃዲት ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 8ይ ምዱብ ኣኼብኣ ኣካይዳ
Monday, 26 October 2020 09:39 Written by ሓይሊ ዕማም ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራመሰረት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላዊት ሃገርን፡ ኣብታ ልኡላዊት ሃገር ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ምንባሩን ሎሚ’ውን ካብዚ መስመርዚ ከይወጸ ይቕጽል ምህላዉን ርዱእ እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጽሕ ጉዕዞ ነዊሕን መሪርን፡ ክቡር ዋጋን ግዜን ዝሓተተን ሓያሎ ተኸታተልቲ ምዕራፋት ዝሓቁፍን ምዃኑ ህዝብና ናብቲ ቃልሲ ክኣትውን እንከሎ ዝተረደኦ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ “ናጽነት ወይ ሞት” ዝብል ዝጨረሖ ኣምሪሑ ክስለፍ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ክሳብ ዓወት ተሪሩ ኣብ ቃልሲ ክቕጽል ዝወሰነ ምንባሩ ዘመልክት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣቐዲሙ ከም ዝመርርን ዝነውሕን ዝተረድኦ ጉዕዞ ተጓዒዙ ዝተሓተቶ ዋጋ ሳላ ዝኸፈለ ኤርትራ ብ1991 “ናጽነት ወይ ሞት” ግብራዊ ኮይኑ ናጻ ኮይና። ብሕጋዊ መልክዕ ከኣ ብመንገዲ ናይ ህዝባ ውሳነ (Referendum) ብ1993 ልኡላውነታ ለቢሳ። እዚ ካብቲ ምዕራፋት ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝደመቐን ዝለዓለን ነይሩ። እዚ ብኹሉ መለክዒ ጸብለል ዝብሉኻ ንሓቅን ፍትሕን ደፊኖም ብሓይሊ ዝንየቱ ዝነበሩ ናይ ግዳም ገዛእቲ፡ ብሳላ ሓድነትን ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ብዘየዳግም ዝተበደሃሉ እዩ። እዚ ተመኩሮ ንካለኦት ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነኦም ዝቃለሱ ወገናት’ውን ኣፍደገ ዝኸፈተን ሓድሽ ምዕራፍ ዓወት እዩ። ብዘይካዚ እዚ ምዕራፍዚ ነቲ ቀጻሊ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት “ድሕሪ ናጽነት’ውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝተዘመረሉ ምዕራፍ ቃልሲ መንገዲ ዝጸርግ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ካልእ ወሳኒ ዝገበሮ ምኽንያት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ቀጻሊ ምዕራፋት ቃልሲ ንምዕዋት ዝጽበዮ ጻዕርን ቃልስን ከም ዝህሉኳ እንተዘይዘንገዐ፡ ብመንጽርቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ዝተኻየደ ቃልሲ፡ እዚ ዳሕረዋይ ዝቐለለ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይርዎ። እዚ ግምቱ ከኣ ኩልና ኤርትራውያን፡ በሃግቲ ሰላም፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ስለ ዝኾና፡ ዓቕሚ እንተዘይሓጺሩናስ ኣብ ሕድሕድና ምውጣጥን ምጥልላምን ኣይክህሉን እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። ብግብሪ ግና እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ኤርትራዊ ዝመስል ብግብሪ ግና ካብ ገዛእቲ ዘይድሕር ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍ ስለ ዝተፈጥረ።
ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምስተመዝገበት፡ ኣብ ጉዳይ ምህናጻ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቀጻልነታ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘማትእ ኣይነበሮን። ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ በቶም ክገዝእዋ ፈቲኖም ዝተሳዕሩ “ገዛእቲ ነበር” እውን ንልኡላውነታ ንድሕሪት ዝመልስ ሕቡእ ስምዒት እንተዘይኮይኑ ሰማዒ ዝረክብ ድምጺ ኣይነበሮን። ኣብ ገዛእ ከርሳ ኣንጻራ ዝተጠንሰ ሎሚ መዓልቱ ሓልዩ ዝውለድ ዘሎ ጥልመት ከም ዝነበረ ግና እነሆ ሎሚ ተጋሂዱ። ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይወልደኦ” ዝበሃል ከኣ ኢሳያስ ወዮ ውሽጠ ውሽጢ ዝሓቑኖ ዝነበረ ተንኮል ብዘሕፍር ኩነታት ተጠሊዑ ክድርጐሖ ንሰምዖ ኣለና። እቶም ንኤርትራ ከም ጡብ ኣዲኦም ቀቢጾማ ዝነበሩ ተረፍመረፍ መግዛእቲ ከኣ ብሃተፍተፍ ዲክታተር ኢሳያስ ተተባቢዖም ናብ ባሕሪ ኤርትራ እንዳማዕደዉ ከንባህቑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ካብዚ ሎሚ ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዝተዓጸወ መዛግብቲ እንዳገንጸልካ ናይ ጣዕሳ ንፋስ ናይ ምዝራው ሃቐነታት ብዙሕ እንመሃሮ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ኣብ መስርሕ ዝተናውሐ ቃልሲ ሓደ ምዕራፍ ዛዚምካ ናብቲ ዝቕጽል ክትቋመት እንከለኻ፡ ናብቲ ዝተሰግረ ምዕራፍ እውን ምቕላብን ቀጻሊ ሓለዋ ምክያድ ዘይስገር ሓላፍነት ምዃኑ እዩ። ብግብሪ ኣብዚ ብኸመይ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ድልዱል መሰረት ምእንቲ ክትህነጽ ክንቃለሰሉ ዘለና ምዕራፍ ንልኡላውነታ ዝምልከት ቀጻሊ ሓለዋ ከም ዘድልየና ንዕዘብ ኣለና። እነሆ ከኣ ወዮ ናብ ብኸመይ ኤርትራ ሕገምንስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያትዊትን ትኸውን ኣድሂቡ ዝነበረ ምሉእ ዓቕምና፡ እንተላይ ናብ “ብኸመይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ይዕቀብ” ናብ ዝብል ከነማዓዱ ኣብ እንግደደሉ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ምዕራፍ ክንኣቱ ተገዲድና ኣለና።
ኤርትራ ናይ ጽባሕ እንታይ ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ የድልና? ዜጋታታ ተጠቀምቲ ናብ ዝኾንሉ ደረጃ ንምብጻሕ ኣየናይ መንገዲ እንተሓዝና እዩ ዝምረጽ? ኣብ ዝብሉ ተወዳደርቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫታት ከም ዘለና ፍሉጥ እዩ። ዕላማና ሓደ፡ ኤርትራ ናይ ምህናጽን ምምዕባልን እንዳሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ ምውዳብና ምስጢር ከኣ እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ጽባሕ ኣብ ሕቑፊ ሓደ ህዝቢ ብድምጹ “ይርሓሰና” ዝበሎ ሕገመንግስቲ ስለ ዝመሓደር ጸጋ እምበር ዘሰክፍ ኣይኮነን። ናብኡ ክንበቅዕ ግና ናይ ግድን “ናይ ኩልና” እንብሎ ውሑስ ናይ ሓባር መዋስኢ መድረኽ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ። ንሱ ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣጽኒዑ ዝዓቀበ ናይ ሓባር መድረኽ እዩ። ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ከም ኣውንታዊ ኣብነት ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተዋሕሰሉ ነናትካ ኣተሓሳስባ መዚዝካ ንቕድሚት ኣምጺእካ ምውጣጥ ግና ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃልዩ ክኸውን። ስለዚ ነዚ ንኹልና ዘዋስእ ናይ ሓባር ልኡላዊ መድረኽ ኩልና ብሓባር ክንዕቅቦ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ግዜታዊ ግደታ እምበር፡ ተደለኻ ትኣትዎ እንተዘይደለኻ ከኣ ትጥንጥኖ ኣይኮነን።
እዚ ዕማምዚ ትሕቲ ኤርትራውነት ዝኾኑ ስምዒታትን ናይ መንነት ኣተሓሳስባን ንቕድሚት መዚዝና ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ጉዳያት ንምጽብጻብ ቀዳምነት ሂብና ንሓለዋ ልኡላውነትና ካለይ ደረጃ እነትሕዞ ዋኒን ኣይኮነን። ንኹሉቲ ጸጋታትና ዝኾነ ብዙሕነትና ኣመሓዲርና ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ከምትህነጽ ከይዘንጋዕና ኤርትራዊ ልኡላውነት ኩልና ኤርትራውያን በብዓቕምና እነበርክተሉ ሰፊሕ፡ ወሳንን እዋናውን መድረኽ እዩ።
ኢድ ኣእታውነት ንሓደን ጽድቒ ነቲ ካልእን ሓጥያት ኮይኑ ዝግለጽ ኣይኮነን
Tuesday, 20 October 2020 20:54 Written by ብርሃነ ተስፋጋብርኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ (ዶ/ር)ን ናይ “ሰላም ስምምዕ” ተኸቲሙ ካብ ዝበሃል ድሮ ክልተ ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ኢሳያስ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ዘይቅዱስ ስምዒታት ገንፊሉ ዝተጋህደሉ ነይሩ። ካብቲ ብዙሓት ክትርሰዖ እንተበልካ እውን ዘይርሳዕን ዘገርምን ስምዒታቱ እታ “ድሕሪ ሕጂ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እዩ ዝመርሓና” ዝበላ ወትሩ ካብ ኣእምሮ ኩልና ዘይትወጽእ እያ። “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብስምዒት ከይመስለኩም ብልበይ እየ። ኣነ እውን ምስኡ ኣለኹ” ብዝብል ምደማቑ ከኣ “እዚ ከኣ ዝገደደ” ዘብል ነይሩን እዩን። ኣስማት ከተማታት ኤርትራ እንዳጸወዐ፡ ናብኣተን ፈቓድ ከይሓተትካ ከም ድላይካ ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ’ውን ኢልዎ።
ኣቐድም ኣቢሉ “ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ንየማነ ገብረኣብ ኣኸቲሉ ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸድሉ፡ ንዶር ኣብይ “ዕድለኛታት ኮይና፡ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ኢሉዎ ነይሩ። ነዚ ኣበሃህላኡ ዝሰምዑ ኣእምርኦም ስለ ዝሰሓቱ ባዕላቶም ምግንዛብ ዘዋደቕዎ ቁንጣሮ ኣዳኸርቲ ጉጅለ ህግዲፍ “ትግርኛ ቋንቋ ኣዲኡ ስለ ዘይኮነ እምበር፡ ኢትዮጵያ ምቕሉል መራሒ ረኺባ ማለቱ’ዩ ነይሩ” ብዝብል፡ ከጸባብቕሉ ፈቲኖም። ድሕሪ ሰሙን ወዮ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ክመጻረን ቃላት ክመርጽን ዝህቅን ብኣተሓሳስባ ዘይርጉእ ኢሳያስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሸሓት ሰባት ባዕሉ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምስ ዳሕደሖ፡ ወዮም መመሳምስቲ መልሓሶም ሓይኾም ኣጽቂጦም። “እዝስ ዓገብ’ዩ” ምባል ጸድፍን ቀላይን ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም፡ ክሳብ ሕጂ ከመኻንይሉ ዝፍትኑ’ውን ኣለዉ።
እቶም ዑስማን ሳልሕ ብጌጋ ኢልዎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ከም ሕሱም መተገንሐ፡ ምናልባት እውን ናብቲ እንዳ ብዙሓት ኮይኑ ዘሎ ጐዳጉዲ ዒራዒሮ መኣተወ፡ ስለዚ ተቐይሱ ዝተዋህቦ እዩ፡ ክብሉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት ግና፡ ናይ ኢሳያስ ኣብ ውሽጡ ክሕቆን ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግና ዱቦላ ዝኾኖ ኣበሃህላ ምስ ሰምዑ “ኣይበልናንዶ” ኢሎም። ኢሳያስ ከኣ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዕጥቁ ስለ ዝፈትሐ፡ ወዮ ህዝቢ ኤርትራ ክርእይ እንከሎ ዝጽወግ ገጹን ዘይክፈት ኣፉን ኣብ ኣዋሳ ምስ ከደ ብሓጐስን ስሓቕን ደሚቑ። ኣብ መሬት ኣሳፊሑ ብዓበይቲ ዓዲ ብሄረሰብ ሲዳማ ማይ ደግሚ ተነጺግዎስ፡ ነቲ ዓበድበድ መሊሱ ወሲኽሉ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ።
ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ዘምርሕ ትዕግስቲ፡ ጹረትን ምክእኣልን ከም ዝረሓቖን ክሳብ ሕጂ እውን ከምዘየብሉን ብብዙሕ ግብራዊ ስጉምትታት ኣመስኪሩ እዩ። ኣብ 20 ሰነ 1991 ተጠሊዑ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን” ምባሉ፡ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ክፋል ኣካሎም ንሃገርን ህዝብን ዘወፈዩ ሓርበኛታት፡ ብኣፍልጦኡ ኣብ ማይ ሓባር ንዝተወስደ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ከይሓፈረ ነቶም ግዳያት፡ “ሕንቂቖም እዮም ሕራይ ኮኑ” ኢልዎም። ካብ ሽዑ ንደሓር መስመሩ ከም ዝሰሓተ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝያዳ ብሩህ ኮይኑ። እቲ ድሕሪኡ ካብኡ ጽቡቕ ንምርኣይን ንምስማዕን ዝነበረ ትጽቢት ባዶ ምንባሩ ተነጺሩ “ከንቱ ውእቱ” ኮይኑ። ሕጂ እውን ንቁልቁል ገጹ’ዩ ዝጸድፍ ዘሎ።
ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግብሪ ኮነ፡ እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብዝህብዎ ምስክርነት ክምዘን እንከሎ፡ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሎሚ “ትጋገ ኣለኻ” ንዝብሎ ዝጸውር ትዕግስቲ ዘየብሉን ብናይ “ወይ ነዓይ ወይ ንዓኻ” ኣግላሊ ስምዒት ፈሊሑ ዝገረረን እዩ። እቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ዕባራ ምኽንያታት እንዳፈጠረ፡ ሓርበኛታት ዘጥፈኣሉ ስጉምትታት እቲ ቀንዲ ሕመረቱ “ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ግጉይ’ዩ” ስለ ዝበልዎ እዩ። እቲ ኣብ ጽምዋ በረኸታት ዝተገብረ ተዲፊኑ ዘይተርፍ ስንክሳራት’ሞ ይጽነሓልና፡ ጉጅለ 15፡ ሰዓብቶምን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት ዝሓቅሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ብዘይካ “ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ንህዝብና ዘርብሕን ንዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋ ዝምጥንን ኣይኮነን እሞ ካብ መንገዲ ጥልመትን ዓመጽን ተመለስ” ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ገበን የብሎምን።
ኢሳያስ ብኽንዲዚ ዝተጠቕሰ ደረጃ “ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ሓላፍነት ኣይበቓዕካዮን፡ ደጊም ካብ ናይ ሜዳ ህጹጹነት ዝዓብለሎ ምምሕዳር ወጺእና፡ ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንሓዝ” ንዝበሉ ኤርትራውያን፡ ክቐትል፡ ክስውርን ክኣስርን ጸኒሑን ኣሎን። ምስዚ ኩሉ ግና ንሱ ድዩ ኣሚንዎም ወይስ ንሳቶም እዮም ጉዳይ ህዝቦም ስለ ዘይዓጠጦም “ንኺድ ጥራይ” ኢለምዎ፡ ከም የማናይ ኢዱ ዝውሰዱ ውሑዳት ወተሃደራውን ሲቪላውን ምእዙዛት ተሰከምቲ ዳዊት ኣለዉዎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ኢሳያስ ኣብ ክንዲ፡ “ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ወይ ካልእ ካብቶም እሙናቱ ዝበሃሉ ሓደ ይምረሓና” ምባል፡ ንዓኣቶም’ውን ፈንፊኑን ንዒቑን፡ “ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያዊ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እዩ ዝመርሓና” ኢሉ። ካብኡ ኣይትሕለፉ ብዝብል፡ ነቲ ጠልመቱ ንከራጉድ ከኣ “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብስምዒት ከይመስለኩም ብልበይ እየ ። ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ” ምባሉ ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር። እቶም ነዚ ኣበሃህላኡ “ናይ ስኽራን፡ ናይ ታህዋኽ ወይ ስምዒት እዩ” ኢሎም ከመኻንዩ ዝፍትኑ፡ እቶም ዝሰኸሩን ሕመቖም ክኽውሉ ዝደልዩን ንሳቶም ምዃኖም ክእመኑ ይግበኦም። እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላኡስ ኢትዮጵያዊ ወራስ ዓራት ስለ ዝደለየ እዩ። እቲ ዝዓመቈ ትርጉሙ ከኣ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ገጸ-በረኸት ንኢትዮጵያ ምርካብ እዩ።
እዞም ክልተ ሰባት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ዘይጽኑዕ መሰረት፡ ኣብ ዘየለ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝይግሉጽ ሃዋህውን ዝኸተምዎ ናብ ህዝቢ ሱሩ ዘይሰደደ ስምምዕ እዩ። እዚ ስምምዕ ውጽኢቱ ትሕቲ ትጽቢት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ጠቕሊሉ ከም ዝሃጐጐ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ናይ ምምካኑ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ስምምዕ ናብ ህዝቢ ዘይወረደን ትካላዊ መልክዕ ዘይሓዘን፡ ጽባሕ ምትኳሱ ዘይተርፍ ነታጒ ዝሓቖፈን ብምዃኑ እዩ። ሃገራውን ህዝባውን ዕዮ ገዝኡ ዘይዓመመ መራሒ ኮነ መንግስቲ፡ ኣብቲ ምስ ካለኦት ኣካላት ዝሃርፎ ሓድነት ኮነ ሓቢርካ ምስራሕ ከድሚ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ ምስቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ወገን ዘይተዓርቀ፡ ብኣንጻሩ ሃገር ኣፍሪሱ ህዝቢ ከብርስ ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር ኢሳያስ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ምስ ከባቢ ኣፍራስን ኣዕናውን እንተዘይኮይኑ ሃናጽን ሓቋፍን ብጽሒት ክህልዎ ማለት ዘበት እዩ።
17 ጥቅምቲ 2020
ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ብቕድሚ ትማሊ ንሳልሳይ ግዘ ተዛትዮም።
ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ፡ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብቲ ዘተ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥቢታት ከምዝተልዓሉ ይዛረብ።
ሕገ መንግስቲ
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ዘተ ዝተገበረሎም ዛዕባታት ሓደ ከምዝነበረ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለዉ ምምሕያሽ ዘድልዮም ዓንቀጻት ከምዝተመያየጡ ሓቢሩ።
እቶም ክመሓየሹ ኣለዎም ዝተብሃሉ ዓንቀጻት ቀጻሊ ልዝብ ዘድልዮም ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ ከምዘድልዮ ብኣብዝሓ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።
መዓዝ ይመሓየሽ ንዝብል ድማ፡ ተኣማንን ፍትሓውን መረጻ ምስተኻየደ፡ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ክፍጸም ተሰማሚዕና ኢሉ።
መዋቕር ፖለቲካዊ ሰልፊታት
እቲ ካልኣይ ሰፊሕ ዘተ ዝተገበረሉ ጉዳይ፡ ኣወዳድባ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢትዮጵያ እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ከምዝኾነ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብዚ እዋን እንታይ ይመስል? ኣብ ዝቕጽልከ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ኣብ ዝብሉ ነጥቢታት ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።
ኣብ ሓደ ክልል ጥራሕ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም እንተኾይኖም ብሓደ እንተዝወሃሃዱ ዝብል ሓሳብ 'ውን ቀሪቡ ኢሉ።
ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሎም፡ ኣብ ሓደ ብሄር ዝበጽሕ ጭቆና ደው ንምባል ወይ መንነት ብሄሮም ክፍለጠሎም ኢሎም ዝተጣየሹ ውድባት ከምዘለዉ ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓለ ኮይኑ፡ መሰል ውድባት ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዞም ክውደቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ እኡ።
ጎንጺ
ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጎንጺታት፡ ካልእ ዛዕባ እቲ መድረኽ ዝነበረ ነጥቢ እዩ።
መልዐሊ እቶም ጎንጺታት እንታይ እዮም? ኣብ ዝብል ዘተ ከምዝተገበረ ዝልጽ ፕ/ር በየነ ጴጥሮስ፡ ስእነት ሰናይ ምሕደራን ልዕልነት ሕጊ ዘይምኽባርን ከም ቀንዲ ምኽንያታት ጎንጺ ከምዝተልዓሉ ተዛሪቡ።
ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዘይምርድዳእ እንታይ እዩ? ፍታሕ ዘድልዮም ኣየኖት እዮም? ክፍትሑ ዘይኽእሉኸ? ዝብሉ ጉዳያት ክፍለዩ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ ኢሉ።
መረጻ
መረጻ ኣካል እቲ ዘተ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ዘነበ ንጉስ ሃ/ስላሰ ጀሚሩ ዝተኻየዱ መረጻታት ዲሞክራስያዊ ከምዘይነበሩ ተጠቒሱ።
ኣብ ቀጻሊ ዝክየድ መረጻ መዓዝን ከመይን ይካየድ ኣብ ዝብል ከምዝተዘራረቡ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ከይተረጋገጸን ሃገራዊ ምርድዳእ ከይተገበረን መረጻ ምክያድ ከቢድ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዝተልዓለ ገሊጹ።
ብኻሊእ ገጽ ገለ ኣካላት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር እታ ሃገር ዘይሕጋዊ እዩ ይብሉ ስለዘለዉ፡ ጸገም ከይፍጠር መረጻ ምክያድ ግድን እዩ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝተልዓለ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ውድባት ዝበዝሑ መረጻ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎም ፕ/ር በየነ ገሊጹ።
ካሊእ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ፕ/ር መረራ ጉዲና ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ተላዒሎም እምበር መዕለቢ ከምዘይተገበረሎም እኡ ዝገልጽ።
"መንግስቲ ከምዚ ግበር፤ ተቓወምቲ ድማ ከምዚ ግበሩ ዝብል ነገር የብሉን። ስቕ ኢልካ ሓሳብ ምሃብ ጥራሕ እዩ ነይሩ" ዝብል ፕ/ር መረራ፡ " መንግስቲ ኣብዞም ዘተታት ዝለዓሉ ነጥቢታት ሃገራዊ ረብሓ ኣለዎም እኡ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑን እንተተግቢሩዎምን ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ግዘ ካብ ምጥፋእ ካሊእ ትርጉም የብሉን" ኢሉ።
ብተወሳኺ መረጻ ሰላም፥ ሰናይ ምምሕዳርን ዕብየትን ከምዘምጽእ ዝገልጽ ፕ/ር መረራ፡ ነዚ ንምፍጻም ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ሓቀኛ ምርጫ ንምክያድ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ምትእምማን ኣሎዶ? ነቲ መረጻ ከፈጽም ዝተጠየሰ ቦርድኸ ዘይሻራዊ ድዩ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ጥርጣረ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ "ንሕና ኣብ ልዕሊ ቦርድ መረጻ ጥርጣረ ኣለና ንብል፤ መንግስቲ ድማ ቦርድ መረጻ ዘይሻራዊ እዩ ይብል። ኣብዚ ጉዳይ ኣይተረዳዳእናን" ኢሉ።
እቲ ጉዳይ ኣብቲ መድረኽ ከምዝተልዓለ ዝገልጽ ፕ/ር መረራ ጉዲና፡ መንግስቲ " እዚ መረጻ በቲ ኢለ በዚ ኢለ ከሕልፎ እየ" ዝብል ቅዋም ዝሓዘ ከምዝመስል ተዛሪቡ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንዝነፈጎም መሰላት ከምዝጭበጡ ምግባር
(መጽሐት ዲሞክራስያዊት ኤርትራቁጽሪ 73፡ 2006)
ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ፡ በብዓቕሙ ንምዕዋት ናይ ብረታዊ ተጋድሎና ዘበርከቶ ግደ ከምዝነበሮ ዝእመን’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጾርን ዝኸበደ ዕማምን ግን፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝተሰከምዎ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። ግደ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ብቓላት ምግላጹ’ኳ ዘይከኣል እንተዀነ፤ ዓቐብን ቍልቍለትን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ መውጋእትን መስዋእትን ከየሰነፎ ብረቱ ተሓንጊጡ ክሳብ ናጽነት ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰን፤ ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝገበረን ክፋል ናይ ሕብረተ-ሰብና ምዃኑ ግን፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
እዚ ወለዶ’ዚ፡ ሓላፍነቱን ግቡኡን ፈጺሙ፡ ንድሕሪኡ ዝመጸ ወለዶ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ዝዀነት ሃገር ኣረኪቡ ይሓልፍ ኣሎ። ናይ ሕጂ መንእሰይ ወለዶ ድማ፡ ነዚ ሕድሪ’ዚ ኣጽኒዑ፥ ንድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶታት፡ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና፥ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ከረክብ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክግንዘብ ይግብኦ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ’ዚ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ኣብ ቅድመ-ግንባር ኢዩ ክስለፍ ዘለዎ።
ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡-
ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ዓለም፡ ድሕሪ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ፡ መስዋእትን ስንክልናን ህልቂትን ምዝንባልን ስደትን ድኽነትን ዝሰፈኖ መዋእል እተረኽበ ናጽነት፡ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ዝረጋገጸሉ ሓድሽ መድረኽ ክኸውን’ዩ ዝብል ትጽቢትን ሕልምታትን ኢዩ ነይርዎ። ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ተበጊሱ ከኣ’ዩ ህዝብና ክሳብ ናጽነት ዝተረጋገጸሉ ዕለት ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰ። እንተዀነ ግን፡ ሕማቕ ዕድሉ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ፡ ንደምን ርሃጽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ፡ ኣብ ብሕታውን ውልቃውን ረብሓታቱ ከውዕሎ ስለዝተረኽበ፡ ህዝብና “መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ” ኰይንዎ ጌና ብናይ ስቅያት ሓለንጊ ክግረፍ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀሲኑ ክመሃርን ክሰርሕን ኰነ፡ ተመርዕዩ ወሊዱን ከቢዱን ክነብር ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ እቲ ስርዓት ወግሐ-ጸብሐ ዝውልዖ ውግኣት እናኣተወ ክሃልቕን ክስንክልን፤ ንዝፈትዎ ህዝብን ሃገርን ራሕሪሑ ናብ ስደት ከምርሕን፤ ኣብ ምድረ-በዳታት ብጽምን ጥምየትን ህይወቱ ክሓልፍን ድራር እንስሳታት መሮርን ዓሳታት ባሕርን ክኸውን ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ዝደሓነ ከኣ፡ ኣብ ናይ “ልምዓት መደባት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዱ፡ ንረብሓ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሰበ-ስልጣን ከገልግልን፤ ኣብ መዐለሚ መደበራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ተዳጕኑ ዕሸል ዕድሚኡ ብኸንቱ ከሕልፍን ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ዘቖሞ ማሕበር ተምሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ፡ ስርሑ ነቲ ስርዓት ምምጓስን፥ ንግናይ ገጻቱ ምምልካዕን፥ ንጌጋታቱ ምሽፋንን እንተዘይኰይኑ፥ ብዛዕባ ንመንእሰያትናን ተመሃሮናን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ክግለጽ ኰነ፤ ንመሰላቶም ክጣበቕ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሓለፍቲ ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ እሙናት ኣገልገልትን ኣካላት ናይ’ቲ ስርዓት እምበር፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ዘገልግሉና ኢዮም ኢሎም ብናጽነትን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያዊ ሃዋህዉን ዝመረጽዎም መራሕቲ ኣይኰኑን። እቶም ንሓቀኛ ንጥቕሚ ናይ’ቲ ማሕበር ዝሰርሑ ዝነበሩ መንእሰያትን ተመሃሮን ከኣ፡ ገሊኦም ተሰዲዶም ዓዲ ጓና ተዓቚቦም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ናይ ትምህርቲ ናጻ ዕድል ኣብ ወጻኢ ዝረኸቡ ወይ ድማ ንስፖርታዊ ውድድራት ዕድል ረኺቦም ካብ ሃገሮም ዝወጹ መንእሰያት፡ በብዝኸድዎ ዑቝባ ክሓቱ ኢዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።
ራእይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ መንእሰያት፡ ሞተር ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ኢዩ ዝርኢ። ብዘይ መንእሰያት፡ ብሩህ መጻኢ ዕድል ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ብልጽግትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምህናጽ ከምዘይከኣል ድማ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብትምህርቲ ተዀስኲሱ ክዓቢ፡ ኣብ ኪነታውን ስፖርታውን መዳያት ብምንጣፍ ጥዑይ ኣእሙሮን ጥዑይ ኣካልን ክውንን፡ ካብ መስተን ካልእ ሕማቕ ልማዳትን ክርሕቕን ናይ ሃገርን ህዝብን ሓላፍነት ክስከምን ዝኽእል መንእሰይ ንምህናጽ ኢዩ ዝቃለስ።
ነዚ ራእይ’ዚ ክውን ንምግባር ግን፡ ህዝብን መንግስትን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፤ ሰላም ዝሰፈኖ ሃገርን ዞናን ክህሉ ከምዘድሊ ዘካትዕ ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ራእይና፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝነፈጎም ናይ ሰላም፡ ማዕርነት፡ ትምህርቲ፡ ናጻ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰላት ብቓልሶም ከምዝጭብጡ ምግባር ኢዩ።
ውሳኔ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 23-27 ሓምለ ዘካየዶ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤኡ፡ ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፥ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ብዕምቈት ተመልከቶ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ውድባዊ ቅርጻኡ፡ ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ክህሉ ወሰነ።
እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ፡ ኣቦ መንበርን ምኽትሉን ሓላፊት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ዘለዉዎ ኣካል ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ንምርኻብ ዘኽእሎ ትካላት ውን ክህልውዎ ኢዮም። ዕላማ፡ ናይ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ከኣ፡-
- መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ናጻ ማሕበራቶም ክምስርቱ ምትብባዕን፤ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ንዘጋጥሞም ጸገማት ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን፤
- መንእሰያት፡ ብናይ ልዝብ ባህልን ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ከም ዝዓብዩ ምግባርን፤ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ንቕሓት ምስራጽን፤
- ስፖርታውን ስነ-ኪነታዊ ንጥፈታት ምትብባዕ፤
- ንመንእሰያት ዝኸውን ትምህርታውን ናይ ሞያ ስልጠናን ዕድላትን ምድህሳስ፤
- ሃገር ንምምራሕ ዝኽእሉ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ምፍራይ።
- ኣብ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝካየድ ቃልስታት፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዓቢ ንምግባር ምጽዓርን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብቲ ብ2019 ዝተቓነዐ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ እውን ጉዳያት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ነናቶም ኣብያተ-ጽሕፈት ንክህልዎም እዩ ወሲኑ።
ሃገርና ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ልኡላዊ ክብሪ ዝበጽሐት ብኣዝዩ ነዊሕን ውረድ ደይብ ዝመለኦ መንገድን ብኣዝዩ ኩቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋን ምዃና ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ካለኦት ሃገራት ናይ ሃገርነት መዓርግ ዝረኸባሉ መስርሕ ክረአ እንከሎ እቲ ንኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋ ወርትግ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ዝያዳ ዝዓዝዝን ንድሕሪት ከይትምለሶ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዝሕልዋን ከኣ ብመጽርቲ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ብራኸ ንክትበጽሕ ናይ ዝኸፈሎ ዋጋ ክብርን ዝተረከቦ ናይ ሰማእታቱ ዓሚቕ ሕድርን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ግዜ ናጽነት ተጸሚምዎን ንኽዕረይ ዕድል ሂብዎን እዩ። ህዝብና ብኽንድዚ ደረጃ ክዕገስ ዝመረጸ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ ስለ ዘየሕመሞ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክሳብ ዘየውደቐ እቲ ካልእስ “ኣብ ግዜኡ ክመጽእ እዩ” ብዝብል ረዚንን ሓላፍነታውን ሓልዮት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና ኢሳያስ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ብኩራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዓባያ እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ክሽንቁጣ ከም ዝደሊ ኣፉ መሊኡ ተለፋሊፉ። ሕጂ እውን ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቋናደፍ” ዝበሃል ወዮ ዲክታቶር በቲ ዝጀመሮ መንግዲ ይዕዘር ኣሎ። ነዚ ንምእማኑ ዘጸግም ጥልመት ዝተዓዘበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል “ደጊም ወየ ጉሒላ ብዘይምጻእ መጺኡና” ብዝብል ቁጠዓኡ ሰማይ ከም ዝዓርገ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። በቲ ሓደ ወገን ምግሃድ ይኣክልን ካለኦት ህዝባዊ ምዕዓላትን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም ንይቲ ቁጠዐ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ህግደፍ ካብ ቅድም እውን ህዝቢ ዘሳቕየሉን፡ ኣብ ክንዲ ጉዳዩ ክርኢ ናብቲ ጸይቂ ኣካይዳኡን ምዕራዩን ዘቕልብ፡ ናብ ድገደገ ከማዕዱ ኣፍደገ ዝኸፍቱ ምኽንያታት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ኣይወዓለን። ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ተጋህደ ከኣ ንህዝብና ዝኾነ ዝለሓስን ዝቕመስን ኣብ ዘየብሉ፡ ኣብ ገዛውቱ ዓጽዩ የሳቕዮ ከም ዘሎ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ኣብዚ ቀረባ፡ ምንቕስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንዲሞክራሲ (ምመኤዯ) ብ11 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘውጸኦ ሓተታ ዝጠቐሶ ሓበሬታ እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ብ29 መስከረም 2020 ቢንያም ዝበሃል ወዲ ጀነራል ተኽለ ተኽላይ (ማንጁስ) ኣብ ከተማ ኣስመራ ተመርዕዩ። ኣብዚ መርዓኡ ኣስታት 600 ደቂ መዛምርትን ወሳርቕት ናይቲ ኣእዳዉ ብደም ኤርትራውያንን ስርቅን ዝተሓጽበ ጀነራል ተዓዲሞም። ካብዞም ዕዱማት ኣብ መርዓ ወዲ መሳርቕቶም ክሳተፉ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ረሻይዳ’ውን ነይሮም። ብዛዕባቲ ኣብቲ መርዓ ዝፈሰሰ ሹሻይን ነቲ ዕሉል ሸያጢ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲሰብ ጀነራል ዝተዋህበ ህያብን ዝምልከት ዝርዝር፡ ወይልኡ ደኣ ነቲ ዘዪዱ ዝረኸበ ህዝብና እምበር፡ ርዱእ ስለ ዝኾነ ምጽብጻብ ዘድልዮ ኣይኮነን።
እዚ ኣጋጣሚ ታራ ማሕበራዊ ተረኽቦ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ምስዚ ህዝብና ዘለዎ ሃለዋት ኣዛሚድካ ዓሚቕ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ተኽለ ማንጁስ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣድቢኻ ብዘይግቡእ ሃብቲ ብምውህላል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቶም ብኸበድቲ ናይ ህይወት ገበናት ዝሕተቱ፡ ነቲ ብዋጋ ብዙሓት ዝተረኽበ ኩለመዳያዊ ጸጋን ክብርን ሃገር ዝጻወትሉ ዘለዉ ውሑዳት ጐሓላሉ ቅድሚት ዝስራዕ ምዃኑ ምግንዛብ ዘድልዮ እዩ። እቲ ካልእ መልእኽቲ ናይ ውራይ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ኣይኮነንዶ ካብን ናብን ኣስመራን ካለኦት ከተማታትን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ከተማ እውን ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ቀረብ መሰረታዊ ነገራት ኣጽኒዑ ኣብ ዝኣገደሉ፡ ዕዱማት ናብ መርዓ ወዲ ጀነራል ግና ካብ ሱዳንን ጫፍ ከተማታት ኤርትራን ብምሩጻት መካይን ናብ ኣስመራ ክኣትዉ ምፍቃዱ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ተዓጊቶም ዘለዉ ዜጋታትና ናብ ቤተሰቦም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ተማሕጺኖም ክንሶም ከምዘይተፈቕደሎም ዝፍለጥ እዩ። ዕዱማት መርዓ ወዲ ጀነራል ግና ኣማኢት ጤለበጊዕ ጽዒኖም ብኮለነላት ተሰንዮም ካብ ሱዳን ኣስመራ ኣትዮም። እምበኣር ናይዚ ተረኽቦ ማእከላይ ትርጉም ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ዓጽይዎ ዘሎ፡ ባዕሉ እንዳቐተሎስ ካብ ቫይረስ ክሕልዎ ደልዩ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ከሳቕዮን ከዳኽሞን ስለ ዝደለየ ምዃኑ እዩ። ንተመሃሮ ኣገዲድካ ናብ ሳዋ ናይ ምስዳድ ጉዳይ እውን ምስዚ ዝድመር ሕሳብ እዩ።
ከምቲ ግቡእ እዚ ወዱ ኣመርዕዩ ዝተባህለን ካለኦት ኣብቲ ናቱ ደረጃ ዝበጹሑ፡ ነቲ ደረጃኦም መን ዋጋ ከም ዝኸፈለሉ ክርድኡ መተገበአ። ነቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ደረጃ ከኣ ኣብ ክንዲ መሰል ህዝቢ መግፈፍን ንብረቱ መስረቕን፡ ንሓቀኛ ህዝባዊ ረብሓ መውዓልዎ። እዚ ተግባራቶም ከምቲ “በይኑ ይበልዕ በይኑ ይመውት” ዝበሃል ጽባሕ ዋጋ ከም ዝኽፍሎም መተርድኡ። እንተኾነ ብናይ ጥልመት መንግዲ ንቑልቁል ይንቆቱ ኣለዉ። ድሕሪ ሕጂ ካብዚ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ወጺኦም ናብቲ ንቡር ደሃይ ህዝቢ ዝሰምዕ ናይ ምምላሶም ዕድል ዕጹው እዩ።
እዞም ህዝቢ ክሒዶም ዝተቐብጹስ ተቐቢጾም፡ ናይቶም ዝረአ ነገር ክርእዩ ዘይከኣሉ ደድሕሪ እዞም ጐሓላሉ ዝዓብዱ ውሑዳትከ ምስ ምንታይ ይቑጸሩ?፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጸኦ እምበኣር ደድሕሪ እዚኣቶም ምኻድ ኣቋሪጽካ “ደጊም ይኣክል” ምባል ሓደ ስጉምቲ እዩ። እቲ ቀንዲ መኸተ ከኣ ኣብ ክንዲ ስቕ ኢልና ክሳብ ጸጊቦም ዝገድፉና ንዕዘቦም፡ ዓው ኢልና ኣንጻሮም ድምጽና ከነስምዕን ብግብሪ ክንቃለሶምን ካብ ኩልና ዝጥለብ እውናዊ ግቡእ እዩ። ግቡእና እንተዘይፈጺምና ግና ዘተሓታትት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና። ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ናይ “ብዋጋ ብዙሓት፡ ንረብሓ ውሑዳት” ወጺኣ ናብ “ብዋጋ ብዙሓት ንረብሓ ብዙሓት” ንክትብርኽ ሕጂ እውን እቲ መተካእታ ዘየብሉ፡ ቃለስና ኣንጻር ህግዲፍ ምሕያል እዩ።
ሓድነት ክንገብር እንከላና በቲ ሓድነት ኣቢልና እነረጋግጾ ናይ ሓባር ዕማም ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ንሓድነት ክንጣበቕ እንከለና ህልውና ናይታ ናይ ኩልና ኣደን ሓብሓቢትን ዝኾነት ሃገርና እንዕቅበሉ መተካእታ ዘየብሉ ፍቱን መሳርሒና ስለ ዝኾነ ኢና። ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዘየገድሶም፡ ምናልባት እውን “ኣብ ምፍራሳ ረብሓ ኣለና” ኢሎም ዝሓልሙ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ከኣ ኣንጻርዚ ዋሕስ ህልውነኣ ዝኾነ ሓድነት ክዓጥቁ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሓድነት ነቶም ህልውና ልኡላዊት ሃገርና ዘገድሰና ኮነ፡ ነቶም ከዳኽምዋ ዝሓልሙ ወገናት እምኒ ማእዘን እዩ።
ኤርትራ ህልውነኣ ዘውሓሰት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕገመንግስታዊት፡ ዲሞክራስያዊት፡ ሰላማዊትን ምዕብልትን ሃገር ንክትከውን ዝብህጉ ደቃ፡ ብመብጸዓ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ንክሃንጽዋ ሓድነቶም ክዕቀብ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሓድነት ጸረ ሃገር ዝኾኑ ገዛእቲ ንምንብርካኽ ጥራይ ዘይኮነ ምዕብልትን ቅስንትን ሃገር ንምህላው እውን ወሳኒ እዩ። ብኣንጻርዚ ብስማዊ ሃገርነት እንዳጨርሑ፡ ብዛዕብ ናይ ህዝባ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት፡ ሰላምን ምሉእ መሰል ህዝባን ዘይግደሱ፡ ብዛዕባ ሲንጋፖር እንዳጨርሑ ናብ ኣተሓሳስባ ሰሜን ኮርያ ዝገሹ ጐሓላሉ፡ ብባህሪኦም ናይዚ ሃገር ናይ ምህናጽን ምሉእ መሰል ናይ ምውሓስን ሓድነት ተጻባእቲ እዮም።
ሓድነት ናይቶም ዕማሞም ብሓባር ዘዕውቱ ወገናት ክቡር ዋጋ ዘኽፍል፡ ግዜ ዝበልዕን “ኣብዚ ኣኺልዎ እዩ” ዘይበሃል ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ብሓደስቲ ምዕባለታት እንዳተገርሐ ዝጐዓዝ እዩ። እቲ ምእንቲ ሓድነት ዝኽፈል ዋጋ ብገንዘብ ዘይትመን፡ ግና ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር ካብ ግዳም ብመልክዕ ሓገዝ ዝብርከት ውህብቶ ኣይኮነን። ነቲ ብሰንኪ ብኩራት ሓድነት ዘጋጥም ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብሳላ ሓድነት ዝርከብ ጸጋን ከከም ጣዕሙ ከነስተምቕሮን ክንግንዘቦን እንተዘይክኢልና ንሓድነት ክንበቅዕ ኣይንኽልን ኢና። ተመኩሮና እንተዳስሲናዮ ከኣ ሓድነት ኣብ ዝበኾረሉ ድኽመት፡ ሓድነት ኣብ ዝሃለወሉ ከኣ ኣሳልጦን ብርታዐን ምዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን።
ንህግዲፍ ስዒርና፡ ነቲ ብሰንኩ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ድሕረት፡ ጨንቂ፡ ድኽነትን ክሳራን ንምውጋድ እንቃለሰሉ መዳያት ብዙሕ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ንሽሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ምዕዋትና ምስጢር ካብ ሓድነት ወጻኢ ዝምዘን ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ “ሓድነትና ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣጀንዳና’ዩ” እንብል። ወሳኒ ግብራውነት ናይዚ ኣጀንዳ ከኣ ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ተመስኪሩ እዩ። ገዛእትና እውን ምስጢር ዓወትና ምዃኑ ተረዲኦም ዝተዓጥቁ እንተተዓጠቑ፡ ሓድነትና ክሳብ ዘየፍረሱ መግዛእታዊ ቀጻልነቶም ኣብ ኤርትራ ከረጋግጹ ከም ዘይክእሉ ተረዲኦም ብዙሕ ሓድነት ዝፍሑቕ መጻወድያታት ዘርጊሖም እዮም። እንተኾነ ሳላ ጽንዓትን ኣርሒቕካ ምርኣይን ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ዘጻወድዎ መፈንጠርያታት ዋላ ሓንቲ ኣይሓዘሎምን። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ምስቲ ሎሚ ዘለናሉ ምዕባለ ዝተፈልየ ምዃኑ ደኣ ብመልክዕ ይፍለ እምበር፡ ንሓድነትና ብኸምቲ ከገልግሎ ዝኽእል ንምልማሱ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን። ዕድሜኡ ካብ ዘሕጽሩ እቲ ቀንዲ ሓድነት ህዝብና ምድልዳል ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ከኣ፡ ምእንቲ ቀጻልነቱ ካብ ምድኻም ሓድነት ህዝብና ንድሕሪት ከምዘይብል ርዱእ እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ንምስዓር ካብ ሓድነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ወጽዓ ፈሪሱ ራህዋ ክህነጽ እንቃለስ ወጻኢ ካልእ ተኣምር ከምዘየለ ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ናብ ንቡር ክብራ ደይባ ንክትምዕብል ዝብል ሓሳብ ኣብ ቅድሚት ምስ ተሰርዐ፡ እዞ እዚ ብዘይሓድነት ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕ ዝተረድኡ ወገናት ገለን ብውዱብ ገለን ከኣ ብውልቂ ምእንቲ ሓድነት ክምሕጸኑ ጸኒሖም። ውጽኢቱ ግና ኣይኮነንዶ ሽዑ ሎሚ እውን ትሕቲ’ቲ ንደልዮ ምህላዉ ርኡይ እዩ። ንሓድነት ክሳብ ክንድዚ እንዳበሃግናዮ እሞ እቲ ናብኡ ዘብጽሕ መንገዲ ኮነ ዝኽፈሎ ዋጋ ኣብ ኢድና እንዳሃለወ፡ ስለምንታይ ደኣ ከምቲ ንደልዮ ዝይሰለጠና? ዝብል፡ ብፍላይ ኣብዚ ወጽዓ ህዝብና እናዳኸበደ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ናይ መብዛሕትና ሕቶ እዩ። ከምቲ ሓድነት ንህግዲፍ ናይ ምስዓር ኣጀንዳናን ምስጢርናን’ዩ እብሎ፡ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ግድን ክርከብ ዝግባኦ እምበር ጓሲኻዮ መሕለፊ ኣቋራጭ መንገዲ የለን።
ከምቲ ሓድነት መስርሕ እዩ ዝበልናዮ፡ ኣብቲ ናይ ምርግጋጹ ጉዕዞ እንዳጋላህካዮም ዝሕለፉ ዕንቅፋታት ኣለዉ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ናይ ካለኦት ሃገራት ወይ ህዝብታት ተመኩሮ ከይተጸበና ናይቶም ፈቲናዮም ግና ዘይተዓወትናሎም ከም፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊሕ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካልኦት ግንባራትን ልፍንትታትን ክንመሃረሎም ይግበኣና። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ግዜቲ ተዋሳኢ ዝነበረ፡ ውድብ፡ ሰልፊ ኮነ ባእታ፡ “ሽዑ ክገብሮ ዝግበኣኒ ዝነበረ ዘይገበርኩዎ እሞ ሎሚ ክደግሞ ዘየብለይ እንታይ ኣሎ?” ኢሉ ክሓትት ግዜኡ እዩ። ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበረ ዘይገበሮ ከም ዝረክብ ፍሉጥ እዩ። ምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ግድን ሎሚ ከዕርዮ ክበቅዕ ይግበኦ። ከምዚ ዓይነት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ሕድገትን እንተዘየጥሪና ግና ወትሩ ብሓድነት መከቲ ዘይኮና ናፋቕቲ ኮይና መፍቶ እቶም ሓድነት ክለዓል እንከሎ ርእሶም ዘሕምሞም ክንከውን ኢና።
ኣብዚ እዋንዚ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ፡ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ሓድነት ቅኑዕን ተስፋ ዝህብን እዩ። ፖሓኤ ሓድነት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ዕማም እምበር ንዓኡ ጥራይ ከምዘይምልከት ተገንዚቡ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩርና ኣብዚ መዳይ ይመሃር ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት እውን ኣለዉ። እንተኾነ ካብቲ ኣብ መስርሕ ሓድነት ክዓሞ ዝግበኦ ቁሩብ እዩ ሰጒሙ ዘሎ። ስለዚ ምትእምማን እንዳኣሕየለ ነቲ ጉዕዞ ዘብዘብ ክውስኸሉ መድረኽ ዝሓተቶ ዘሎ እዩ። ነዚ ንክበቅዕ ከኣ ኩልና ዝያዳ ንቕድሚት ነማዕዱ እምበር፡ ብዝሓለፈ ቅርሕንቲ ተጸሊና ብጐቦ ዓይኒ ኣይንጠማመት። ካብ ብዝሓለፈ ንጸባጸብ ዝያዳ ንመጻኢ ነማዕዱ፡ “እቲ መዋጸኦ ንናይ ኩልና ኣተሓሳስባ ኣብ ግም ዘእትወ እምበር ኣባይ ዘሎ ጥራይ ኣይኮነን” ንበል። ማዕጾ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣስፊሕና ንኽፈቶ። ነዚታት እንተርዒምናዮ ኣብ ቅድሜና ጠጠው ዝብል ጸረ ሓድነት ተሰዓራይ እዩ። ኮታ ሎሚ ሓድነት ንኤርትራውያን ቀዳምነት ዝሕዝ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣጀንዳ ምዃኑ ንካልኢት’ውን ኣይንዘንግዕ።
ንኡስ መደረን፣ ዝርርብን፣ ሓሳባትን ኣብ ከቢድ ጉዳይ ገበን፡ ሓላፍነት፡ ተሓታትነትን፣ ዕርቅን ኣብ ኤርትራ
Wednesday, 07 October 2020 23:47 Written by ብዶር. ቴድሮስ ኣማኑኤል ገብረልዑልመስከረም 2020
ገበትቲ ወይ ውልቀ-መለኽቲ ባዕሎም ብዝፈጥርዎ ርእሰ-ኣዕናዊ ጐነጻት ኰነ ብፍኑው ህዝባዊ ናዕብን ውዱብ ሓይልታትን ተደፊኦም ምውዳቖም ዘይተርፍ ሓቂ ኢዩ። ክወድቁ እንከለዉ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራዊ ውድቀትን፣ ዕንወትን ሓዲጎም እዮም ዝጠፍኡ። ነዚ ዘጠዓዕሙን፣ ዘመቻችኡን ኩነታት ንምጥቃስ፡-
ሀ/ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝባዊ ተቓውሞ ክነጥፍን ከመርሕን ዝኽእል ውድብ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤
ለ/ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መደብን ኣገባብ ቃልስን ስምምዕን ምርድዳእን ኣብ ዘይብሉ ግዜ፤
ሐ/ ናይ ህዝባዊ “ኣይፋል” ብሃልትን ህዝባዊ ተቓውሞ ናይ ምግባር ልምምድን ባህልን ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፤
መ/ ከምኡ’ውን፡ ኣጽዋር ወይ ነፍጢ ኣብ ኢድ ብዙሓት ኣብ ዝርከበሉ ከም ናይ ሎሚ ኤርትራ ኢዩ።
ሃገርና፡ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዓበይቲ ፈተነታትን፣ ብድሆታትን ከምዘጋጥማ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ካብ’ዚ ብድሆታት ድማ፡ ናይ ሃይማኖታትን፡ ብሔራትን ናይ ፖለቲካ ብዙሕነትን ዝሓቘፈት፣ ብሕጊ እትምሓደርን ሰላምን ስኒትን ዝሰፈናን ሃገር ምህናጽ ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ነቲ ከመጽና ዝኽእል ሃገራዊ ውድቀትን ዕንወትን ኣቐዲምና ከይተፈጥረ እንከሎ ንምውጋዱ ምኽኣል ኢዩ።
ድሕሪ ውድቀት ገበትቲ ስርዓታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጽልእን ሕድሕድ ምፍርራሕን ወይ ምጥርጣርን ዝተመርኰሰ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓሳት ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ሱር ሰዲዱ ይጸንሕ’ሞ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ወይ ዛዕባ ወኒኑ ዕንወት፡ ውድቀትን ናይ ሓድሕድ ምቅትታልን ከስዕብ ይርአ ኢዩ። ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕንወት መንገዲ ክንእለ እንተደኣ ኴይና፣ ንሰላም ዝዓለመ፡ ኣብ ስምምዕን ምክእኣልን ዝተመርኰሰት ሃገር ንምህናጽ፣ ሎሚ ጌና ብእዋኑ እንከሎ ካብ ሕራቕንን፡ ቁጠዓን ርሒቕና ብጥንቃቐ ክንግምጎምን መልሲ ክንረኽበሉን ዝግባእ ዓበይቲ ሕቶታት ኣሎ።
እዚ’ውን፡ ብዛዕባ በደልን፡ ገበንን፡ ሓላፍነትን፣ ተሓታትነትን፣ ዝምልከት ሕቶታት ክንዛረበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብዝተኻእለ መጠን፡ ንብዙሓት ብሕልፊ’ኳ ነቶም ብዙሕ ዝተበደሉ፡ ዝተቐጥቀጡን ዝተገፍዑን ዜጋታት ዘዕግብ፣ ኣብ ሕጋውን ናይ ሞራላዊ ፍትሕን
ዝተመርኰሰ ሃገራዊ ስምምዕ ምግባር ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ሃገራውን ሕብረተ-ሰብኣውን ውድቀትን ዕንወትን ከውጽኣና ዝኽእል መንገዲ ዕርቅን ስኒትን ጌና ብእዋኑ ምንዳይ የድሊ። (1)
ሓደ ካብ’ቲ ብእዋኑ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ከቢድን ኣገዳስን ሕቶ፡ ነቶም በዚ ስርዓት ንነዊሕ ዘመናት ዝተበደሉን፡ ዝተቐትሉን፡ ዝተገፍዑን፣ ዝተሳቐዩን ወገናት ናይ ሕልናን ሞራልን ፍትሒ ምሃብ ጥራይ ኣይኰነን። እንታይ’ደኣ፡ ስቅያቶም ብምርዳእን ድሌታቶም ብምኽባርን ብዝተኻእለ መጠን ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎን ንመብዛሕትኦም ዘዕግብን ሕጋዊ መንገዲ ፍትሒ ምንዳይን ምርካብን ኢዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቶም ነዚ ግፍዕታትን፡ በደላትን ገበናትን፣ ዘተግበሩን፣ ንኽትግበር ዝኣዘዙን ወገናትና ዝገበርዎ ግፍዕን ገበንን መብዛሕቱ ግዜ ብዘይምርሳዕ፣ ብዝገበርዎ እከይ ግብሪ ተጣዒሶም ጌጋታቶም ብምቕባል ምስ ህዝቦምን ሕልንኦምን ክዕረቑ የድሊ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ይቕሬታ ክሓትሉ ዘኽእል መድረኽ ንኽግበረሎም ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር መንገዲ ዘላቒ ፍትሕን ሰላምን ምንዳይ የድሊ። ሃገራዊ ሓላፍነትና፡ ነቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝተቐትሉ፡ ዝተበደሉን ዝተገፍዑን ስቃይን ቃንዛን ምርዳእን ብዝተኻእለ መጠን ፍትሒ ምሃብን ምኽሓስን ጥራይ ኣይኰነን። ነቶም ሰብኣውን ሕልናውን ሓላፍነቶም ብምርሳዕ፡ ነቲ እኩይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ንክፍጸም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኣጣሚሮምን ኣፎም ዓቢሶምን ዝዕዘቡ ዝነበሩን ዘለዉን ሰባት’ውን የጠቓልል። ብዙሓት ካብኣ’ቶም እውን፡ ትማሊ ህዝቢ ብዕልልታን፣ ብእምብልታን ተቐቢሉ ዕዉር ተኣማንነትን ዓቢ ትጽቢትን ዘንበረሎምን ኰስኲሱ ዘዕበዮምን ተጋደልቲ ደቁ ኢዮም። እዞም ኤርትራ ነጻ ሃገር ንኽትከውን ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበሩን መስዋእቲ ዝኸፈሉን ብስዉኣቶምን ብውድቦምን ብዙሕ ዝሕበኑ ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ሎሚ ኣብ ውድቦም ዝመስረቶ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም፡ ኣብ ልዕሊ ደቆም፡ ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ኰነ ኣብ ልዕሊ ዝተቓለስሉ ህዝቦም ዝፍጽሞ ግፍዒ፡ ማእሰርትን መቕተልትን ካብ ምክልኻል ተቖጢቦም ይርከቡ።
ነዚ ኣብ ኤርትራ ወዲቑ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት’ሲ መን’ዩ ተሓታቲ? መን’ዩኸ ሓላፍነት ዝወስድ ዝብል ከቢድ ሕቶ ብጥንቃቐን፡ ብህድኣትን፣ ብዘይ ቂምን ሕርቃንን ምርኣዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ነፍስወከፍ ሰብ ብውልቁ ደረጃ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ክብል፡ ነዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን፡ ሕብረተ-ሰብኣውን ባህላውን ግፍዕታትን፣ ጭካኔታትን ዝገብርናዮ ኣስተዋጽኦ ንውሽጥና ብምብርባር ሕልናና ብምፍታሽን ገምጋም ምግባር ከድልየና ኢዩ። “እቲ ካባኻትኩም ሓጥያት ዘይብሉ፡ ቅድሚ ኵሉ እምኒ ይደርቢ” (2) ዝብል ኣስተምህሮ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መበገሲ ምውሳድ ጠቓሚ’ዩ። እቲ ዕማም ወይ ዕላማ፡ ነቶም ዝተበደሉ ምኽሓስ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም በደልቲ’ውን ብምእራምንን ብምጽጋንን፡ ንሕብረተ-ሰብና ምድሓንን ምሕዋይን ኢዩ።
ኣብ ሃገርና ሰላም ዝሰፈኖ ናይ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ብሔር፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ቅዋማትን ብዙሕነት ዘማእከለ ሕብረተ ሰብን፣ ስርዓትን ክምስረትን ክትግበርን እንተደኣኰይኑ፤ ካብ ምትፍናን ዝርሓቐ፡ ናይ ምቅርራብ፡ ምርድዳእን ሕድገታትን፣ ህዝባውን ሃገራውን ናይ ዕርቅን ሰላምን ዘተ ክጅመር ወሳኒ ኢዩ። መበገሲ ጅማሮ ነዚ ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘተ፡ ነቶም ትማሊ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን በቲ ንነዊሕ ዘመን ስልጣን ብሒቱ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን ኤርትራን፣ ከምኡ’ውን፡ ካልኦት ኣብ ሃገርና ዝተራእዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ውድባትን ዝተበደሉን ዝተግፍዑን ወገናትና ንድሕሪት ተመሊሱ ዝርኢ ኣዕጋብን ኣሕዋይን ፍትሒ ምሃብ ኣብ ሃገርና ሰላም ንኽመጽእን ቐጺሉ ድማ ዘለኣለማዊ ንምግባርን ወሳኒ’ዩ። ብሕልፊ’ኳ ነቶም ብሃይማኖቶም፡ ቀቢልኦም፡ መበቆሎምን፣ኣውራጃኦምን ኰነ ፖለቲካዊ ኣቛሞመን መርገጻቶምን መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ናይ ሕልና እሱራት ይምልከት።
ይኹን እምበር እቶም ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ቍጥዐን ሕርቃንን ዝነቐለ ኣብ ናይ ሕነ-ምፍዳይ ተግባራት ከይጽመዱ፣ ኣብ ናይ ውልቃውን ሕብረተ-ሰብኣውን ዕንወት መጻወድያ ከይወድቁ ኣዝዩ ጥንቃቐ የድሊ። ከምኡ’ውን፡ እቶም ደገፍትን ሰዓብትን ንምድላብን፣ ንምጥርናፍ ብምባል ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝርከብ ኣሉታዊ ፍርሕታትን ምጥርጣርን ብምቕስቃስ፡ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ጐንጽታት ብምውላዕ፡ ባህላዊ ትምክሕትታትን ንኻልኦት ናይ ምንእኣስን ምንዓቕን ባህርያት ተዕጢቖም ዝቕስቅሱን “ክተት ከይትዝመት፡ ጽናዕ ከይትምናዕ” እናበሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ምትፍናን ዝፈጥሩ ውልቀ-ሰባት፣ ኣብ ሓላፍነት ዝተመርኰሰ ናይ ብዙሕነት ሰላም ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕርታት ኣወንታዊ ተራ ኣይክህልዎምን ኢዩ። ስለ’ዚ እውን፡ ብዙሕ ኣድህቦን ጊዜን ምሃቦም ኣየድልን።
ብዛዕባ ገበን (ወንጀል) ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዘሎና ኣርኣእያ ሓባራውን ብዙሓት እንሰማምዓሉን እነካይዶ ዘተን ዝርርብን ካብ ታሪኽን ልምድታትን ከም ናትና ዝኣመሰለ ሽግራት ዘሕለፉ ህዝብታትን ሃገራትን ምምሃር ከድሊ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ መንጐ ገበንን ሓላፍነትን ዘሎ ዝምድናን ፍልልያትን ብምርማርን ብምብራህን “ኣይኸማን (Eichmann) ኣብ እየሩሳሌም ጸብጻብ ኣብ ምቍንጻብ (ምንእኣስ) ግብረ እከይ” (3) “Hannah Arendt: Eichmann in Jerusalem – A Report on the Banility of Evil” ዝብል ቅድሚ 70 ዓመት ዝተሓትመ ብፈላስፋ ወይዘሮ ሃና አርንደት ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም መበገሲ ምንባብ ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ንብምልዮናት ዝቝጸሩ ኣይሁዳውያን ብጅምላ እንዳሓፈሰ ኣብ መጽነትን መቕተልን መዳጐኒታት ብምቕያድ ዝመርሐን ዘካየደን ሓላፊ ለ/ኮ ኣይኽማን ኣብ ናይ ኢየሩሳሌም ቤት ፍርዲ ዝቐረበሉ ክስታትን መልስታቱን ዝገልጽ ጸብጻብ ኢዩ፤፤
ወይዘሮ ሃና ኣብ መንጐ ገበንን ሓለፍትን ሓደ ኣገዳሲ ፍልልይ ምህላዉ ይጠቕሳ። ገበን ከም ስነ-ሓሳብ፡ ወይ ኣምር (concept) ሞራላዊ ኰነ ሕጋዊ ብይኑ ንተግባራት ሓደ/ሓንቲ ውልቀ ሰብ ነጺሉ ዝምርምርን ዘመልክትን ኢዩ። ክሲ ገበን ኣብ ጭብጢ ዝተመርኰሰ ሕጊ ዘማእክል፡ ተሓታትነት ውልቀ-ሰብ ዘመልክት ጥራሕ ኢዩ (4) (Collectiv Responsibiliy pp 43-44 and Organized Guilt and Universal Responsibility) ። ገበን ንሓደ ጕጅለ ኰነ ንሓደ ሕብረተ-ሰብ ብጃምላ ምስ’ቲ ዝተፈጸመ እከይ ግብሪ ብምትሕሓዝ፣ ብምዝማድን ብምጥባቕን ብሓባር ንኹሉ ወይ ንብዙሓት ትርጉሙ የጥፍእ። ኩሉ ሰብ ብሓባር ገበነኛ’ዩ ምባል፡ ገበነኛ የለን ከምምባል ኢዩ ዝቝጸር። ገበን ከም ሓላፍነት ኣይኰነን። ሓላፍነት ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገበን ግን፡ ኵሉ ግዜ ንውልቃዊ ግብሪ ተኸሳሲ ዝምልከት ኢዩ። እዚ ማለት እውን፡ ሓደ ወይ ሓንቲ ሰብ ብዝገበርዎ ስራሕ ናይ ሞራል ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኰነስ ንዝተገብረ ገበን ሕጋዊ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብፍርዲ የረጋግጽ።
ከም ኩሉ ገባቲ ስርዓት፡ ንሃገርና ብሓይሊ ነፍጢ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ’ውን፡ ኣብ’ቲ እከይን ኣረሜናውን ተግባራቱ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ብትእዛዝ ኰነ ብተጽዕኖ፣ ብምፍርራሕ ኰነ ብምድፍፋእ፣ ገሊኦም ድማ፡ ብገዛእ ድልየቶም ወይ ብገዛእ ፍቓዶም ተሳትፎ ክህልዎም ይጽዕር። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ናይ ብዙሕ ህዝቢ ወይ ናይ ሓፋሽ ተሳትፎ ክሕልዎ ንምግባር ይሰርሕ። እዚ’ውን ንብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይደልይዎን ዘይኣወይ ናይ ምንሉን መጻወድያ ሰበብ ምእታው ዘላቒ ረብሓ ኣለዎ ካብ ዝብል ተንኰለኛ ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ብዘይድሌቱ ኣብ ዓመጽን ቅትለትን ኢዱ ዝተጨማለቐ ውልቀ-ሰብ ነቲ ስርዓት ፍጹም ተኣማንነቱ ዘረጋግጸሉ ተግባር ስለዝመስሎ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ውልቀ-ሰብ ካብ ጭቆና ኣምሊጡ፡ ተሰዲዱ፡ ብትብዓት ንዝፈልጦ ግፍዕታት እቲ ስርዓት ነጊሩን ኣጋሊጹን ንፍትሒ ምስ ዝቃለስ፡ ስሙ ንምጽላም ንዘረባኡ ሰማዒ እዝኒ ከይርከብ ንምግባር ይጠቕመኒ ኢዩ ኢሉ ስለዝገምገመ ኢዩ። ብሓጺሩ ንምጽሟቕ “ኣብ’ታ መዓልቲ ሓቂ፡ ፍትሕን ፍርድን ኩሉ ገበነኛ እንተዘይኰይኑስ፣ ገበነኛ እውን ኣይክህልውን ወይ ኣይክርከብን እዩ” ዝብል ናይ እኩያት ኣተሓሳስባ ኢዩ።
ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኵሉ ግፍዕን ቅትለትን ተሓታቲ ሓደ እንኮ ሰብ። ማለት ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ጥራሕ ምግባር ወይ ኣብ’ቲ ሃገር ናይ መላኺ ውልቀ-ሰብ መንግስቲ ኢዩ ዘሎ ዝብል ሓሳብ ናይ ብዙሓት ርእይቶ ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ፡ ናይ’ቶም ትማሊ ናይ’ዚ መንግስቲ ደገፍትን ሰበስልጣናትን ዝነበሩ ሎሚ ኢዶም ሓጺቦም “ሰይጣን መንጠለና እምበር፡ ኣይሃብናዮን ስልጣን” ዝብሉ ሰባት ርእይቶ ኢዩ። እዚ መርገጽ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ንመጻኢ ለውጢ ንምቅልጣፍ ምቹእ ኩነታት’ውን ይፈጥር ይኸውን። እቲ ገበንን ሓላፍነትን ኣብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብ ዙርያኡን ዘለዉ ውሱናት ተሓባበርቱ ምድራቱ ንዝመጽእን ንእንደልዮን ናይ ሓቂ፡ ዕርቅን ሰላምን ሃገራዊ ምይይጥ ዕዉት ንክኸውን ዘጥዓዕም ኩነታትን መንገድን ክፈጥር ይኽእል። ንብዙሓት ነዚ ስርዓት ብዝተፈላለየ ኣብ ስልጣን ዘምጽኡን ዘጽንሑን ሰባት ግን ካብ ናይ ሕሊና ተሓታትነት ወጻኢ ወይ ንላዕሊ ነጻ ስለዝገብሮም ኢዩ።
ይኹን’ምበር፡ ኩሉ ዲክታቶርያውን ገባትን ስርዓት ኣብ ሃዋህው ኣይኰነን ዝምስረት። ውልቀ-ምልክነት ሱር ንኽሰድድ፡ ንኽጥጥዕን ንኽዕምብብን ዘድልይዎ ፍሉይ ሕብረተ-ሰብኣውን፡ ታሪኻውን፣ ስነ-ኣሙራውን ኩነታት እውን ወሳኒ ኢዩ። ገባቲ ስርዓት ንኽነግስን ክህነጽን ካብ ዝገብሮ ሓደ ዋና ምኽንያት፡ መብዛሕቱ ሰብ ስቕ ብምባሉ ምስ’ቲ ስርዓት ዘርእዮ ዘይቅኑዕ ምትሕብባር ኢዩ። እዚ ማለት’ውን፡ እቶም ከይዓወሩ፡ መታን ከይርእዩ ናብ ካልእ ገጾም ዝጥምቱ፣ እቶም ንዝርኣይዎ ከስተውዕልሉ ዘይደልዩ፣ እቶም እናሰሞዑ ክነሶም፡ ኣውያት ህዝቦም ከይሰምዕ ኣእዛኖም ዝጸመመ ፣ እቶም ዘይዓባሳት ግን ከኣ ቃንዛ ህዝቦም ዘይነግሩን ዘይዛረቡን ብዙሓት ሰባት ኢዮም። ኤርትራውያን ንነዊሕ ዘበን፡ “ንዝተሾመ ተኸተሎ፡ ንዝተሳዕረ ተሰበሎ” ብዝብል ያታዊ ብሂል፤ ንውልቀ-መላኺ ኤርትራ ብዕዉር እምነት ክኽተልዎን ከመጕስዎን ጥራይ ዘይኰነስ፤ እቲ ስርዓት ንዝኣሰሮምን ዝበደሎምን ሰባት እውን ክስበልዎም፤ ናይ’ቲ ስርዓት ግፍዕታትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሸለል ክብልዎን ክጸርዎን ተራእዮም ኢዮም። ሃገር ኤርትራ ድሕነታን ህላዌኣን ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝደልዩ ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ተጻብኦ ብዙሕ ኢዩ ዝብል ምኽንያት ቀንዲ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ገባቲ ስርዓት ውዒሉ ሓዲሩ ግፍዕታቱ ኣብ ህዝቢ ብምሉኡ ስለዘስፋሕፍሕ፡ ካብኡ ዝተርፍ ወይ ዘምልጥ የለን። እቶም ስቕ ብምባል፡ ብምውዳስን ብምትሕብባርን ካብ ጩግራፍ ጨቋኒ መንግስቲ ከድሕኑ ዝሓስቡ ሰባት’ውን “ዕገብ ዘይብል ንጎይታኡ ሽግር ይዀውን ምሳኡ” ከምዝብሃል ካብ መቕዘፍቲ ኣየምልጡን ኢዮም።
ኣብ ሃገር ኤርትራ ንዝተፈጸመ ኩሉ ወይ መብዛሕትኡ ገበናትን መቕተልትን ብኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባትን ባዕሎም ብኢዶም ዝፈጸምዎ ኣይኰነን። እቶም ንግብረ-እከይ ዝኣልሙን፡ ዝእዝዙን ዝብይኑን ሰባት፡ ካብ’ቶም ዘተግብርዎን ዝፈጸምዎን ሰባት ዝተፈለዩ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ርሕቀት ዘለዎም ሰባት ኢዮም። ስለዝዀነ’ውን፡ ክሲ ኣብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ፡ ብዘየጠራጥር ጭብጥን ምስክርነትን ንገበነኛታት መሚኻ ፍትሓዊ ብይን ምሃብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። ልክዕ ኢዩ፡ መራሕቲ ሃገር ብምሉኡ ናይ ሓባር ኣዘዝቲ ሓላፍነት ስለዘለዎም፡ ሓላፍነቶም ብምርሳዕ ክኽሰሱን ኣብ ፍርዲ ምቕራብምን ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ምስ ዝኸውን፡ ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሓላፍነትን ገበንን ዘቃልዑ ምስክርነትን መርትዖን ካብ ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት ከምዝመጽእ ዘየጠራጥር ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ስርዓት ብፍኑው ህዝባዊ ናዕቢ እንተተዓልዩ መራሕቲ ህግደፍ ብቝጡዕ ጭፍራ ኣብ ጐደናታት ብገመድ ተንጠጢሎም ከምዝሕነቑ ኣየጠራጥርን። እቶም ነዚ ገባቲ ስርዓት ብሓላፍነትን ብእምነትን ዘገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ ግን ኣብ ስደት ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ ዘለዉ መጋበርያታቱ፣ ብዝገበርዎ በደል ዘይጕህዩን ዘይጥዓሱን፣ ንዝፈልጥዎ ምስጢራት’ውን ንህዝቢ ዘይምግላጾምን ዘገርም ነገር ኢዩ። ውሑዳት ሰባት ጥራይ ኢዮም ብገበን እንተተኸሲሶም ኣብ ሓራ ሃገር፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝምስረት ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ድልዋት ምዃኖም ዝገልጹ (5) ።
ኣብ ሃገርና፡ ዘበነ ሕገ-ኣልቦነት ሓሊፉ፡ ነጻን ፍትሓውን ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝምስረት ነዊሕ ግዜ ምውሳዱ ኣይተርፍን ኢዩ። ክሳብ’ዚ ግዜ’ዚ ዝመጽእ ግን፡ ኣፍካ ለኵትካ ትም ምባል ምምራጽ እንደልዮን እንጽበዮን ናይ ሰላምን ዕርቅን መስርሕ ዘዳናጒ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ’ውን፡ ጕዕዞ ሃገራዊ ዘተ ንሓቂ፡ ንዕርቅን ሰላምን ብዓወት ክዛዘም እንተደኣ ኰይኑ፣ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይዕበ ይንኣስ ኵሉ ሰብ ሓላፍነቱ ምቕባል የድሊ። እንተበዲሉ’ውን፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቶም ዝተገፍዑ፡ ብህይወት ምስ ዘይህልዉ፡ ንቤተ-ሰቦም ይቕሬታ ምሕታት ወሳኒ ኢዩ። ሓላፍነት ምቕባል እንተውሓደ ናይ ሞራልን ሕልናን ተሓታትነት ምቕባል ኢዩ።
ሓላፍነትና ምስ እንቕበል ጥራሕ ኢና ነቶም ዝተበደሉን ዝተገፍዑን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍትሒ እነረጋግጸሎም። ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንኹሉ’ቲ ዝፈልጥዎ ዝተፈጸመ ገበናት ብምምዝጋብን ሰነዳት ንዓለምለኻዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ከፍልጡ ዓብዪ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም (6) ኩሉ እንፈልጦ ጭብጥታት ብምእካብን ብምምዝጋብን ጥራሕ ኢና ነቶም ዝተበደሉን፡ ዝተገፍዑን ዝተቐትሉን ወገናትና ብምዝካር ዝሓለፈን ዘሎን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታት ክንፈትሕ እንኽእልን ከይድገም እንከላኸልን። እቶም ምስጢር ዝፈልጡ ሰባት ምስ ዝምስክሩ ጥራሕ ኢና ንመጻኢ ህይወትና ካብ ናይ ዝሓለፈ ግፍዕታት ብፍትሒ እንፍውሶን ንሃገርና እውን ብዘይ ጐነጽን ዕንወትን ኣብ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ጐደና ከነሰጋግራ እንኽእል።
ገባቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዘመን ህግሓኤ ጀሚሩ ዝጥቀመሉ ፍሉይ ኣገባብ ስርሑን ባህርይኡን ኩሉ ብምስጢር ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ፡ ካብ ላዕለዋይ ኣዛዚ ናብ ታሕተዋይ ኣተግብር ብዘይ ሕቶ፣ ብዘይምጥርጣር ትእዛዝ ክትፍጽምን ከተፈጽምን ይጽበ (7) ። ልክዕ ከም’ቲ እሱር ሰብ መኽሰሲኡን መእሰሪኡን ዘይፈልጦ፡ እቲ ኣሳርን ትእዛዝ ኣተግባርን’ውን መዳጐኒ እሱር ካብ ምጥርጣር ሓሊፉ ዝፈልጦ የብሉን። “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል” ዝብል መትከል ኣሰራርሓ’ቲ ገባቲ ጉጅለ ኰይኑ፣ ብዛዕባ እሱር ሓውኻ፡ ሓፍትኻ፡ ኣቦኻ፡ ኣዴኻን ብጻይካን “ኣይትንገር፡ ኣይትሕተትን ኣይተጻርን” መርሖኦም ኢዩ። ከም ኣብ መጽሓፍ ፍራንዝ ካፍካ (Franz Kafka – The Trial) ዝተባህለ ደራሲ ዝዛረበሉ ፍትሒ ኣልቦ ስርዓት እንዳ ህግደፍ’ውን ሓደ ሰብ ምስ ዝእሰር ህላዌኡ ኣብ’ዛ ዓለም ከምዘይነበረ፡ ታሪኹ ክሕከኽ፡ ኩሉ ዝረስዖ ዋላ ሓደ ዘይዝክሮም ፍጡር ንምንግባር ጻዕሪ የካይዱ (8) ። ስለዝዀነ’ውን፡ ሓቀኛ ፍትሕን ዕርቅን ዘናዲ ዝርርብን ምይይጥን ብዛዕባ ገበን፣ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ምክያድ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ምዃኑ ኣይክተርፎን ኢዩ።
እቶም ነሕዋቶም ዝኣስሩ፡ ዘጋፍዑ፡ ዝቕጥቕጡን ዝቐትሉን እውን ባዕዳውያን ዘይኰኑስ ኤርትራውያን ከማና ኢዮም። ሓቀኛ ስሞም ንኸይፍለጥ ዝተኣልመ ተንኰል ይመስል ምሉእ ኣስማቶም ዘይፍለጥ፣ ብኣናሻውን ኣቖናጺባን ብሳጓ ዝጽውዑ ወይ ከኣ ወዲ እከለ፡ ወዲ ጓል
እከለ ጥራሕ ተባሂሎም ዝፍለጡ መራሕቲ ጋንታ፡ ኣዘዝቲ ሓይሊ፡ ሓለፍትን መርመርትን ውልቀሰባት ኢዮም። ብዙሓት ካብ’ቶም ነቲ ንግብረ-እከይን ኣረሜናዊ ትእዛዝን ብከተግብርዎ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሎም ተመምዮም ዝተመርጹ እኳ እንተዀኑ፤ ኣብ ትሕት’ቲ ስርዓት ክሳብ ዝሃለዉ፤ ብዘይካ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ምፍጻም ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። መብዛሕትኦም ኣማራጺ ዘይብሎም ንትእዛዝ ተራ ኣፈጸምትን ኣተግበርትን ደኣ’ምበር ነዚ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን እከይ ስራሕን ገበንን ተሓተትን ሓላፍነት ተቐበልትን ከምዘይኰኑ ምጥባቖም ኣይተርፍን ኢዩ። ተግባራቶም ካብ ጸቕጥን ንህይወቶም ፍርሕን ስግኣትን ዝመጸ እምበር ካብ እምነት ከምዘይኰነ ምግላጾም’ውን ኣይተርፍን። ብዙሓት ካብ’ዞም ናይ ትማሊ ቀጥቀጥን ኣሰርትን ሰበ-ስልጣናትን ናይ ጸጥታ ሓለፍትን ሎሚ ድሃዮም ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ። ገሊኦም ተቐቲሎም፡ ገሊኦም ሰብ ኣብ ዘይርእዮም ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ተሰዊሮም፤ እቶም ሰብ ዕጫ’ውን ናብ ስደት ኣምሊጦም ኣብ ሐደ ዘመን ገፋዕትን ተገፋዕትን ኰይኖም ይርኣዩ።
እቶም ብዘይበደል ዝተኣስሩን ክሳብ ኣካላቶም ዝለምስ ዝተቐጥቀጡን ገሊኦም ነባር/ገዳይም ተጋደልቲ፣ ገሊኦም ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን፤ ገሊኦም ኣዝመድን ኣሕዋትን ነዞም ኣተግበርቲ ትእዛዝ ዝዀኑ ሰባት’ከ ከመይ ኮን ይርእይዎም ይኾኑ? እቶም ምቕጥቃጥን ቅንጸላን ዝፈጸሙ መራሕቲ ጕጅለ፡ ኣዘዝቲ ጋንታ ሓለፍቲ ሰበ-ስልጣን’ከ ከም ኣካል ናይ’ቲ ገባቲ ስርዓት ብምርኣይ ብገበን ተሓታትነት ምግባር ይግብኦም ይብሉ’ዶ ይዀኑ። ወይስ እቶም ትእዛዝ ኣተግበርቲ ኢና ኔርና ዝብሉ’ኸ ብተግባራቶም ብምጥዓስ፡ ዝፈልጥዎ ምስጢር ኩሉ ብምንጋርን ብምንሳሕን ንዝሓትዎ ይቕሬታ ምእንቲ ሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ከም ኣዕጋቢ ይቕበልዎ ይዀኑ። ሓደ ንኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራ ዒሮ ሓላዋይ ዝነበረ ሓደ ሰብ ኣብ ስደት ኣብ ዝገበሮ ነዊሕ ቃለ-መሓትት ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን በደላት ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ሰበ--ስልጣን ነበር ወይ ጕጅለ 15 ተባሂሎም ዝፍለጡ ምግላጹን ንዓለም ምፍላጡን ይዝከር። እሱ’ውን እንተዀነ፡ እቲ ዋና ምኽንያት መስደዲኡ እቶም እሱራት በብሓደ ምስ ዓረፉ ብዛዕብኦም ምስጢር ዝፈልጥ ኩሉ ሰብ’ውን ኣብ መጻኢ ንኸይምስክር ብምባል ከምዝቕተሉ ስለዝተረድኦ ኢዩ። ነዚ ስርዓት ብትግሃትን ብምሉእ ልቦምን ዘገልገልዎ ተራ ወተሃደራት’ውን ከይተረፉ ዝፈልጥዎ ምስጢር ንኸይወጽእ በቲ ስርዓት ምቕንጻሎም ዘይተርፍ ኢዩ።
ኩነታት ተቐይሩ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዘመሓድር ፍትሓዊ ስርዓት እንተተመስረተ እውን፡እቶም ብገበን ተኸሲሶም ብጭብጢ ብዝተረጋገጸ ኣገባብ ብይን ወይ መቕጻዕቲ ዝቕበሉ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብቝጽሮም ብዙሓት ኣይክዀኑን ኢዮም። ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ኤርትራ ብብሕቱ ናይ መንግስቲ ስልጣን ወኒኑ ንምሉእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከምጥሪት ዝውንን ዝዕብልልን ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጠሩን ሱር ክሰድድ ኣበርክቶ ዝገበሩን ሰባት ብናይ ፖለቲካን ሞራልን ሓላፍነት ምርሳዕ ዝሕተቱን ብዙሓት ኢዮም። እዚ ነቶም ናይ ፖለቲካን ሰብኣውን
ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ብዝገበርዎ ጌጋታትን ጕድለታትን ዝሕተቱ እንተዀነ ግን ብጭብቲ ዝተመስከረ ገበን ዘይገበሩ ሰባት ይምልከት። ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ንመንግስቲ ህግደፍ ወግዓውን ተግባራውን ኰነ ዘይንጡፍ ሓገዝ ዘበርክቱ ሰባት ኢዮም። እዚኣቶም’ውን፡ ንመንግስቲ ኢሳያስ ብገንዘብ፡ ብሞራልን ብፕሮፓጋንዳን ዝደገፉን፤ ግፍዕታት ክፍጸም፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ክቕየዱ፡ ከም ኣሓ ክዝርዑ፡ ክቕንጸሉ፡ ጥሪቶም ክዝመታን ኣባይቶም ክፈርስን ዓገብ ዘይበሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝነብሩ ሰባት እውን የጠቓልል።
ናይ ፖለቲካን ናይ ሞራልን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ሰባት ባዕሎም ብኢዶም ጌጋ ንዝገበሩ ጥራይ ኣይኰነን ዝምልከትን ዘመላኽትን። ዓገብ ካብ ምባል ኣፎም ካብ ዝለኵቱ፣ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝለመሱን ዝተቖጠቡን ሰባት’ውን ይምልከት ኢዩ። በዚ ኣርኣእያ ኩሎም ነባር ተጋደልቲ ህግሓኤ፣ በቲ ንሳቶም ዝመስረትዎ፡ ዝተቓለስሉን ዝሕበንሉን ውድብ ሎሚ ህግደፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገዛኢ ጕጅለ ንዝገበሮ ገበናት ሕጋዊ ተሓታትነት እኳ እንተዘይሃለዎም፡ ንህዝቦም ካብ ውድቦም ንዝወርዶም ግፍዕታት ክከላኸሉ ብዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ገባቲ ኣሰራርሓ ኣብ ግዜኡ ስለዘይኣለይዎን ዘየወገድዎን ናይ ፖለቲካን ሞራልን ተሓታትነት ውን ኣለዎም ክብሃል ይኽእል።
ናይ ፖለቲካን ሞራልን ሓላፍነት ባዕሎም ገበን ንዝገበሩ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ዝተሓላለፍን ዝምልከትን። ምስ’ቶም ገበርትን ኣተግበርትን ገበን’ውን ብድሌቶም ክሓክዎ ወይ ከጥፍእዎ ዘይክእሉ ምትእስሳርን ዝምድናን ኢዩ። እዚ’ውን፡ ነቲ ስርዓት ዝዕብልሉን ዝውንኑን ሰባት ካብ ብሄሮምን ባህሎምን ምስዝዀኑ ኢዩ። በዚ ኣዘራርባ’ዚ፡ እቶም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ደው ዝበሉ፣ ንዘመናት ብወግዒ ዝተቓለሱን እንተዀነ ግን ንናይ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ጾታን መሰረት ብምግባር ዝቃለሱን ስቃዮም ዝገልጹን ሰባት ስምዒት-ኣልቦ ብምዃን “ግፍዒ ንዅሉ ብማዕረን ሓባርን ኢዩ ዘጥቅዖ” ብምባል ናይ ካልኦት ቃንዛን ኣውያትን ንምስማዕ ምስ ዘይደልዩን ዘይክእሉን ኢዩ።
“ካልኦት” ወገናትና ንዘልዕልዎን ንዝጠልብዎን ቅቡል ሕቶታትን ድልየታትን ጽን ኢልካ ምስማዕን ምርዳእን መበቆሉ እዚ ገዛኢ ጃንዳ ብትግርኛ ተዛረብቲ ዝዕብለልን ዝዳለውን ብምዃኑ ዝተፈጥረ ናይ ቀልቢ ወይ ሕልና ቅልውላው ኣይኰነን። ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣብ ስደት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያንን ደቆምን ሕጂ’ውን ነቲ ስርዓት ደገፎም ኣየቋረጹን። ይኹን እምበር ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ባህልታት፡ ብሂላት፡ ቅጥዐ-
ምግባርን ስርዓታትን ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያን ብመደብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ዕንወት፡ ኣብ ታሪኾም ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ’ውን ምርዳእ የድሊ። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ ዕላማ’ውን ኣብ መንጐ ትግርኛ ተዛረብቲ ሃገር ኤርትራን ሃገር ኢትዮጵያን ምርሕሓቕ፡ ጽልእን ዘለኣለማዊ ነቓዕን ብምፍጣር ሕውነቶምን ምሕዝነቶምን ንምብታን ኰነ ተባሂሉ ዝተኣልመ
ውዲት ኢዩ። ትግርኛ ተዛረበቲ ኤርትራውያን፡ ከም ኩሎም ብሔራት ኤርትራ ንናጽነት ሃገሮም ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጥራሕ ዘይኰኑስ፣ ናይ ጃንዳ ህግደፍ ተበደልቲ፡ ተጐዳእትን ተጠቓዕትን ምዃኖም ንጹር ኢዩ።
ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውን ብሔራውን መንነት ዝወርድ ጭፍለቓን ጭቆናን ብዘይገደብ ምስ ዝቕጽል ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ብሔራትን ሓድሕዳዊ ምጥርጣር፡ ምርሕሓቕን ምትፍናንን ከስዕብ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ’ውን ኣብ ድሕረ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ኣብ ሃይማኖትን ብሔርን ዝተመስረተ ጐንጽታት ከም ዝጔልሕ ይገብር። ብሕልፊ’ኳ፡ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ዝኸይድ ጐንጺ ነቶም ኣብ ልዝብ፡ ምክእኣል፡ ዕርቅን ሰላምን ዘናድዩ ሓይልታት የልግሶም፡ ቦታ’ውን ኣይህቦምን። ስለ’ዚ እውን፡ ጌና ሎሚ ብእዋኑ ብዙሕነት ዝሓቝፍን ዘተባብዕን ሃገራዊ ዘተ ሰላምን ስኒትን ውዕል ምግባር ኣድላዪ ይኸውን። ካብ’ቲ ሓፈሻዊ ስምምዕን ውዕልን ዘድልዮ ቀንዲ ጉዳይ ሕቶ ዋንነት መሬት ዝምልከት ኢዩ። ብሕልፊ’ኳ ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክወራረስ ዝጸንሐ ናይ ዓድታት፡ ናይ ቀቢላታት ኰነ ናይ ውልቀ-ሰባት፡ መንግስቲ ብሓይሊ ዝወረሶን ዝጐበጦን መሬት ናብ ዋናታቱ ምምላስን ንዋናታቱ ዘላቒ ውሕስነት ምሃብን የድሊ። ነዚ ንምትግባር ግን፡ ኣብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ናይ መሬት ሕግታትን ኣገባብ ኣሰራርሓን ምሕጋግ ብቐዳምነት ናይ ግድን ኢዩ።
ኣብ መንጐ ብሔራትና ኣብ ስኒትን ሰላምን ዝተመስረተ ናይ ብሓባር ምንባር ድልየቶም ንምብርታዕ ሚዛናውን ማዕርነታውን “ማሕበራዊ ውዕል” ወይ ስምምዕ የድሊ። እዚ “ማሕበራዊ ውዕል” ውን፡ በቲ ሓደ ወገን ንዝተገብረ በደል ዝእርም ክኸውን እንከሎ፣ በቲ ካልእ ሸነኹ ከኣ፡ ኩሉ ውልቀ-ሰብ ዘርኡ ብዘየገድስ ኣብ ሃገሩ ሕጋዊ ድሌቱ ንኽማላእ ኣብ ዝመረጾ ንኽነብር ማዕረ ዕድል ክህልዎ ዘረጋግጽ ኢዩ።
እዚ ብዙሕ ዋጋን መስዋእትን ዝተኸፈለሉ ናይ ናጽነት ቃልሲ፡ ሕልሙ፡ ድልየቱን ዕላምኡን ብዙሕነት ዘማእከለ፣ ማዕርነት ብሔራት ሃይማኖታትን ባህልታትን ዘረጋግጽ ናይ ሓባር ሃገር ንምፍጣር ኢዩ። መበገሲ ወይ መበቆል እዚ ድሌት’ውን እቲ ኣውሮጳውያን ገዛእቲ ብዘይ ሓልዮት ብሔራትን ቋንቋታትን ከምዝደለይዎ ብርሳስን፣ ብብርዕን ዝሓንጸጽዎን ዶብ ውሽጢ ኰይኖም ዘሕልፍዎ ናይ ሓባር ታሪኽን ናይ ሓባር ናይ መግዛእቲ ተመኵሮን ኢዩ።
እዚ ኤርትራ ከምዝደለዮ ንበይኑ ዝውንን ዝገዝእን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ሃገር ህንጻ መንገድን ሓፈሻዊ ስልትን ዕማምን ግን፡ ካብ ድሌት መብዛሕትኡ ህዝቢዝርሓቐን ዝጻረርን ኢዩ። ህግደፍ ነዚ ሓድሽ ፈተነ ማሕበራዊ ህንደሳ ንብዙሓት ሰባት ንኽስሕበሉን፡ ክእክበሉን ክስዕቦን ናይ ፕሮፓጋንዳ ጭርሖ’ውን “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ብዝብል ኣጠቓሊልዎ ይርከብ። ዕላማ ናይ’ዚ ፈተነ ማሕበራዊ ህንደሳ’ውን ብዙሕነት ብኹሉ መልክዓቱን ዓይነታቱን ደምሲስካ፡ ሓድሽ ኣሃዳዊ ስርዓት ካብ መሰረቱ ምንዳቕን ምቛምን ኢዩ። መሪሕነት ህግደፍ ብዙሕነት ሃገር ኤርትራ ከም መሰረታውን ቅርጻውን ድኽመት ሃገር
ገይሮም ስለዝቖጸርዎ “ንሽሕ ፈልጺ፡ መእሰሪኡ ልሕጺ” ከምዝበሃል ብሓይሊ ማሕበራዊጥምረት፡ ባህላዊ ምውህሃድን ምትሕንፋጽን፤ እቲ ዝተወርሰ ቅርጺ ሃገርን ስምዒታትን ደምሲስካን ኣዕኒኻን ብሓድሽ ሃገራዊ ቅርጽን ሓድሽ ሃገራዊ ስምዒትን ምህናጽ ኢዩ።
ነዚ ዕላማ ንምትግባር’ውን፡ ኣብ ብዙሓት ብሔራት፡ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ መንእሰያት ጌና ምሉእ ሰብእነት ከይበጽሑ፡ ኣብ ሳዋ ሕብረተ-ሰብኣዊ “ቤት መጥሓን” ኣእቲኻ ብምድቋስ ሓድሽ ኤርትራውን ሓዳስ ኤርትራን ንምፍጣር ኢዩ። እዚ ሓድሽ ኤርትራዊ’ውን፡ ነቲ ንናጽነቱ ዘጓናጸፎ ውድብ ህግሓኤ ወራሲ ወይ ተካኢ ዝዀነ ህግደፍ፡ ዘልኣለማዊ መጐስን ክብርን ዝህብ፣ ናይ ሃይማኖትን ብሔርን መንነት ዘይብሉን ዘይፈልጥን፣ ናይ ውልቁ ታሪኻዊ ምስትውዓል ኰነ፡ ናይ ሓሳብ ናጽነት ዘይፈልጥ፣ ንቡር ህይወቱ ንኸካይድን ከከም ዓቕሙ ንብረትን ሃብትን ክድልብን ዘይፍቀደሉ፣ ብሓጺሩ፡ ህይወቱ ብምልኡ ከም ዘመናዊ ባርያ ወይ ጊላ ብነጻ ከገልግል ቍሩብ ዝዀነ ዜጋ ንምፍጣር ኢዩ። ብሓጺሩ መራሕቲ ህግደፍ፡ እቲ ኣብ ቃልሲ ነጻነት ኣዎንታውን ኣድማዕን ኢሎም ዝኣመንሉ፡ ኣብ ፍጹም ቍጽጽርን ዓብላልነትን ንእሽቶይ ይኹን ዓብዪ፡ ፍልልይ ርእይቶ ዘይጻወር ኣሰራርሓ ውድቦም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብመላኡ ምድጋም ኢዩ።
እዚ ብኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ግፍዕን ጭፍጨፋን ናይ ገለ ድኹማት ወይ ናይ ውልቀ-ሰባት ጌጋ ኣሰራርሓን ተግባርን ኣይኰነን። ሓድሽ ሃገር ሓድሽ ሰብ ንምህናጽ ተሓሲብሉ ኰነ ተባሂሉ ዝተማህዘ ቅዋማዊ መርሃ-ግብሪ ወይ ስትራተጂ መንግስቲ ህግደፍ ኢዩ። ዕላማኡ’ውን፡ ነቲ ኣረጊት፡ ጥንታውን ዘይምዕቡልን እትብሎ ስርዓት ኣብሪስካን ደምሲስካን ብሓድሽን እዋናውን ስርዓት ምትካእ ኢዩ። እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ጆዘፍ ስታሊን፣ ኣብ ካምቦድያ፡ ፖልፖት ዝተጠቕምሉ ኣሰራርሓ ኢዩ። ገዛኢ ጕጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቅርጻዊ ዓመጽ ምክያድ ከም ኣዝዩ ኣድላዪነት ዘለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ንዝሓዝዎ ናይ ሃገር ምህናጽ ውጥን ወይ ፕሮጀክት ከም ፍጹም ወሳኒ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ነዚ ምስ ዝርድኣናን ምስ እነስተውዕለሉን ጥራሕ ኢዩ ነዛ ካብ ነባር ተጋደልትን ሓርበኛታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ትርጉም ዘይብሉ ጭቆናን መቕተልትን ጠንቁ ቍሩብ ክርድኣና ዝኽእል። ኤርትራውያን ነዚ ሒዞሞ ዘለዉ ናይ ጥፍኣትን ጥቕዓትን ዘልኣለማዊ ዕንክሊል በቲኾም ብምቝራጽ፣ ካብ ጉዕዞ ነፍሰ ዕንወት ከንሳሕቡ ምስ ዝደልዩ፡ ንናቶም ጥቕሚ ክብሉን ንጥቕሚ መጻኢ ወለዶታት ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ብምሕሳብ፣ ብሓባር ክወስድዎ ዘለዎም ኣድለይቲ ስጕምትታት ኣለዉ። ብሕልፊ’ኳ
እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር፣ ኣብ ዓድታት ሰላም፡ ደሞክራስን ፍትሕን ዝነበሩ ሰባት ናይ ሰላምን ዕርቅን ዘርኢ ብምትካል፡ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ብምጽራግን ብምንዳይን መጻኢ ወለዶታት ብስኒትን ቅሳነትን ዝነብርሉ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ መንጐ ብሔራትን ሃይማኖታትን ናይ ፖለቲካ ብዙሕነት ዝሓቘፈ ኣብ ሰላም፡ ስኒትን ዕርቅን ዝተመስረተ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ብህጹጽ ምእላዩ ኣድላይን ወሳንን ኢዩ።
እግረ-ጽሑፍ /
- “ኣርሜናውነት ኵናት፡ ወይስ ናብ ሰላም ዘምጽእ መንገዲ” ኣብ ዓዋተ. ኮም ብቴድሮስ ኣማኒኤል ገብረልዑል ጥሪ 2009፤The Barbarism of War Or a Peaceful Exit Option? Jan 06, 2009 by Tedros A. Ghebrelul Awate.com
- መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ዮውሃንስ ምዕራፍ 8፡7፤
- ሃና ኣርንደት፡ “ኣይኽማን ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ምንእኣስ ግብረ እከይ” ፐንጒን 2006፤ Hannah Arendt: Eichmann in Jerusalem – A Report on the Banility of Evil (Penguim Classic 2006)
- ሃና ኣርንደት፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽሑፍ ገጽ 250-51 እቲ ማንታ ዝተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ ገበንን ሓላፍነትን ዝምድንኡን ፍልልዩን ምብራህ ቀንዲ ጕዳይ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ነዚ ሕቶ “ሓባራዊ ሓላፍነት” ኣብ ዝብል ጽሑፍ፡ ገጽ 43-44፤ ከምኡ’ውን፡ “ዝተወደበ ገበንን ዓለም-ለኻዊ ሓላፍነትን” 1948 ገሊጸንኦ ኢየን። Collective Responsibiliy pp 43-44 and Organized Guilt and Universal Responsibility (1948)
- ጋዜጣዊ ጸብጻብ ኣኼባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ምስ ኣባል መሪሕነት ውድብ መስፍን ሓጐስ፡ ሓርነት. ኦርግ 28 ሕዳር 2012 ኣቶ መስፍን ሓጐስ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ከም ምዃኑ ኣብ 1973- 74 ኣብ’ቲ ውድብ ኣብ ዝተፈጥረ ሓያል ናይ ደሞክራሲ ተቓውሞ ኣብ ምድምሳስ ኣስተዋጽኦ እንተሃለዎ ኣይገርምን ኢዩ። እቲ ብዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኣፍወርቂ ተኽሉን ካልኦትን ዝምራሕ ብጸላእቱ ብኣስተናዓቒ ስም “መንካዕ” ተባሂሉ እተሰየመ ኢዩ። መራሕቱ እውን ብጉጅለ ኢሳያስ 1975 ከምዝተቐትሉ ይንገር።
- ንሕሳብ ሰብኣዊ መሰል ዝምርምር ብሕቡራት መንግስታት ዝተመስረተ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ ጽሑፍ ክሳብ 31 ጥሪ 2015 ክእክብ ጸኒሑ ኢዩ።
- ዝከረ ልቦና ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም “ኤርትራዊ ስቕ በሃልነት እሱራት ብዘይ ኣሰር ክስወሩ ከለዉ 21 ግንቦት 2014፤ Zekere Lebona: Eritrean Quitness and the Disposing of Victims without a Trace 2014-05-21 Asmarino.com
- ፍራንዝ ካይኻ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘለዎ ጽሓፋይ ወዲ ቸኮዝላቫክያ ኢዩ። ኣብ ማእሰርቲ (The Trial) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ሕልሚ መሰል ጭንቀት ኣብ ማሕዩር ሕገ-ኣልቦ ገባቲ ስርዓት ዝርከቡ እሱራት ዘሕልፍዎ ትርጕም ኣልቦነት ይገልጽ። ብእንግሊዘኛ ከም’ዚ ዓይነት ኵነታት ካፍኻይፍ ተባሂሉ ይፍለጥ። Franz Kafka – The Trial