ኢትዮጵያዊ ቆንስል ኣብ ሶማሊያ ተቐቲሉ

2025-04-21 09:28:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 35 times

መዋቲ ኢትዮጵያዊ  ዲፕሎማት ኣቶ ፍራህ ኣይዲድ ጃማ

ኣቶ ፋራህ ኣይዲድ ጃማ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ኣውራጃ ፑትላንድ ከተማ ገረወ ቆንስል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ላስ ኣኖድ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብ20 ማዝያ 2025 ከም ዝተቐትለ ሆርን ኦብዘርቨር (HORN OBSERVER) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ነቲ ግዳይ ብ13 ጥሪ 2025 ኣብ ፑትላንድ ብዘሎ ጠቕላሊ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ኣቶ ወንድወሰን ተኽለ ዝተጻሕፈሉ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ግዳይ ዝኾነ ዲፕሎማት ፋራህ ኣይዲድ ኣብ ዶብ ሶማሊያን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ምሕጋዝን ምትሕብባርን ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ።

እቲ ዲፕሎማት ኣብታ ዝተቐትለላ ከተማ ላስ ኣኖድ ካብ ዝነበሮ ሆቴል ተወሲዱ ጉጃካድ ኣብ ዝተባህለ ሰንጭሮ ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ ዝሓበረት እታ ምንጪ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ሒዝዎ ዝነበረ መባይላት ከም ዝተወስደ’ውን ጠቒሳ።  ናይታ ዝተቐትለላ ከተማ ምምሕዳር ሞት እቲ ግዳይ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ንኣቀታትላኡ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየወጸአ ዝሓበረ እቲ ዜና ክሳብ ሕጂ ናይቲ ቅትለት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ድሕሪቲ ዘጋጠመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት እቲ ቆንስልን ገያሾን ስግኣት ከም ዝፈጠረ እውን ተሓቢሩ።

Last modified on Monday, 21 April 2025 11:35