ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይከ?

2021-03-02 08:31:39 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1450 times

ኣይኮነንዶ ክንድዚ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅምር 4ይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ጽዕጹዕ ውግእ፡ ኣብ ንኡስ ጐንጺ እውን ኣሉታዊ ሳዕቤንን ክሳራን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኩሎምቶም ተዋሳእቲ ናይ ውግእ፡ ግዳያት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከም ዝኾኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎን ጌና መዕለቢ ዘይረኸበን ውግእ ዝኸበደ ሳዕቤኑ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዝዓርፍ ምዃኑ ርዱእዩ። እዚ ከኣ ካብቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ፍሉጣት ማዕከናት ዜናን ብኣካል ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ተረኺቦም ዘቕርብዎ ዘለዉ ምስክርነት ምርዳእ ይከኣል።

ኤርትራ ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ቀረባ ብምዃና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ውግእ ሰራዊታ ዘሰለፈት፡ መሬታ መዋፈሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክኸውን ዝፈቐደትን መራሒ ናይቲ ንህዝባ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ውግእ ከም ጉዳዩ ወሲዱ ይምድረሉን ይመርሖን ስለ ዘሎን ካብ ኢትዮጵያን ትግራይን ቀጺላ ናይቲ ውግእ ኣሉታዊ ሳዕቤን እትጐስም ዘላ ሃገር ምዃና ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንሕብረተሰብ ዓለም ከም ሓድሽ ዝሕበሮም ዘይኮነ፡ ባዕላቶም ዝዕዘብዎ ዘለዉ እዩ። ኤርትራ ሓይልሰባ ይመውት ንብረታ ይበርስ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ናይ ጽልኢ እሾኽ ይዝረኣን፡ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ስደተኛታት መንእሰያታ ምክልባቶምን  ናይቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ግብራዊ መግለጺ እዮም። እቲ ውግእ ጌና ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ቀጻሊ ክሳብ ዝኾነ ከኣ እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን እውን መልክዑ እንዳቀያየረ ምናልባት እውን ንኤርትራዊ ሃገርነት ኣብ ሓደጋ ብዘውድቕ መልክዑ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ዕጽዊ ኣይኮነን።

እዚ ሎሚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ውግእ፡ ከም ዝመጽእ ኣብቲ ብ2018 ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝገበርዎ ናይ መጀመርያ ርክብ ምልክቱ ተራእዩ እዩ። ብፍላይቲ ሽዑ ኢሳያስ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝበሎ፡ ሓባሪ ጥይት ናይቲ ሎሚ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ህውከት እዩ። ኣብቲ እቲ ዘይግሉጽ ዝምድና ዝጀመርሉ “ኣብ ምንታይ ጉዳያት እዮም ተሰማሚዖም?”  ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ነይሩ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ሓድሽ ዕርክነት ብፍላይ ብወገን ኢሳያስ ኣብ ዙርያ “ምጥፋእ ህወሓት” ዝተሰረተ፡ ኣብ ምፍዳይ ሕነ ዘትከለ ምንባሩ ምግማቱ ዘጸግም ኣይነበረን። እቲ “ድሕሪ ንህወሓት  ምድኻምከ?”  ዝብል  ግና ኣይኮነንዶ ሽዑ ሕጂ እውን መመሊሱ ዝደፍእ ዘሎ ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ።

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ኤርትራዊ ጉጅለ ህግደፍን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምድኻም ህወሓት ብሓደ ክወፍሩ ዘገደድዎም ምኽንያታት ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝነቕሉ እዮም። ኢሳያስ ካብቲ ዘይግሁድ ግና ከኣ ነዊሕ ሱር ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ካብ ቂምን ቅርሕትን ምስ ህወሓት ዝነቅል እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቅርሕንቲ ኮነ ካብ ውግእ ክሳራ እምበር መኽሰብ ከም ዘየብሉ ብሩህ እዩ። ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪቲ “ናይ ዶብ” ተሰይሙ ዝተኻየደ ናይ 1998-2001 ውግእ ክፍትሑ ዝግበኦም ጉዳያት ከም ዘለዉ ግና ርዱእ እዩ። እንተኾነ ነዚ ኢሳያስ ዝመረጾ ናይ ልፍንቲ ውግእ ዝዕድሙ  ክኾኑ ምኽኑይ ኣይኮነን። ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነብሱ ዝኸለ ናይ “መን ንመን ኣንበርኪኹ ናይ ስልጣን ልዕልና ኣረጋገጸ”  ምትህልላኽ ዘንቀሎ ኣንጻር ህወሓት ዘሰለፎ ምኽንያት ነይርዎ። እዚ እውን ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ እንተዘይድረቦ፡ በቲ ኢሳያስ ዝፈሓሶ ናይ ቂም መንገዲ ክተሓዝ ዘገድድ ኣይነበረን።

በዚ ኮነ በቲ፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ እምበር፡ እቲ ናይዞም ክልተ ሓቢርካ ኣንጻር ሕወሓት ምኽታት ንካልእ ዛዕባ መድረኽ ከረክብ ናይ ግድን እዩ። ኢሳያስን ኣብይን፡ ኪኖ በዚ ዝተጠቕሰ ምኽንያታት ሓቢርካ ንህወሓት ምውቃዕ ዝጥምት፡ ናይ ሓባር ዕላማ ኣለዎምዶ የብሎምን? ዝገሃደሉ ግዜ ባዕሉ ክመጽእ እዩ። “እንተልይዎምከ ኣብ ምንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ክኽተል እዩ። ኩልና ከም እንዕዘቦ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፖለቲካዊ ሜዳታት በበይኑ እዩ። ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ካብቲ ዝዓበየ ዓንዲ ዲሞክራሲ ዝኾነ ሕግመንግስቲ ጀሚርካ፡ “ናይ ህዝቢ እዩ” ዘብል ምልክት ዘየብሉ መላኺ እዩ። ፖለቲካዊ ሜዳ ኢትዮጵያ ግና ምስ ኩሉ ሕጽረታቱን ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋታትን ብዝምድናዊ ዓይኒ ካብ ናይ ኤርትራ ዝሓሸ ህዝቢ ክጻወተሉ ዝኽእል እዩ። ብመንጽርዚ ኢሳያስ ካብዚ ዝለመዶ ጸቢብን ብሕትውን በይኑ ዝጻወተሉ ሜዳ ወጺኡ ኣብ ካልእ ሜዳ ክጻወት ኣይክእልን እዩ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ዋላኳ ኣብ ከምቲ ናይ ኤርትራ ጽምዋ ሜዳ ናይ ምጽዋት ድሌት ከም ዘለዎ ምልክታት እንተለዉ፡  ንመጻውቱ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሜዳ ኣዕጊቡ ከሰልፎም ዘለዎ ዕድል ካብ ኣዝዩ ጸቢብ ናብ ዘይከኣል ዝምጠጥ እዩ። ስለዚ ክሳብ ክንድዚ ናይ ሓባር መጻወቲ ሜዳ ካብ ዘይሃለዎም፡ እታ ኣንጻር ሕወሓት ዝቐንዐት ተልእኮኦም ወዲኦም ናብ “ደሓን ኩን ደሓን ትረፍ” ኩነት ዝኣትውሉ ዕድል ዕጽዊ ኣይከውንን።

“ኣብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ፖለቲካ ቁማር መን ተዓዊቱ? ኣብ ቀጻሊ ቁማርከ?” ዝብል ብዙሓት ዝዛረብሉ ዘለዉ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ መስርሕ ኢሳያስ ቁማር በሊዑ ንመንግስቲ ኣብይ ኣብ ዘይወጾ ዓዘቕቲ ደቕዲቕዎ ዝብሉ ኣለዉ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ እቶም  ንህወሓት ከም ዓንዲ ሕቖ ኤርትራ ንደርጊ ስዒርካ ናጽነት ኣብ  ምርግጋጽ ቆጺሮም፡ ብጥልመት ዝኸሱዋ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ዝተፈልየ ርኢቶ ኣለዎም። ንሱ ከኣ፡ ድሕሪ ሕጂ እቲ ካብ ኣንጻር ደርጊ ምቅላስ ጀሚርካ ክሳብ ምርግጋጽ ልኡላውነት ኤርትራ ሓቢሩ ዝተቓለሰ ሓይሊ ኤርትራን ትግራይን ኣብዚ ውግእዚ ተዳምዩ እዩ።  ድሕሪ ሕጂ ሓቢሩ ኣንጻርና ናብ ዘይስለፈሉ ደረጃ ኣብ ምውራዱ ስለ ዝተዓውትና ነቲ ቁማር ንሕና ኢና በሊዕናዮ በሃልቲ እዮም።  ወገን ኣብይ ኣሕመድ ምስዚኣቶም ኣሎዶ የሎን ኣብ ምዕባለ ዝረአ እዩ። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ብኤርትራዊ ዝመጸን ዝዕቀብን ምዃኑኳ ርዱእ እንተኾነ፡ እዚ ምህዞዚ’ውን ብዓይኒ ስግኣት ዘይረአ  ኣይኮነን።

ኣብዚ ውጽኢቱ ኣብ መጻኢ ዝረአ ሕልኽልኽ፡ ኢሳያስ ኣብ ዝበለዖ ቁማር ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ የብሉን። ኢሳያስ ቁማር ክብላዕ እንከሎ ከኣ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዝድረት ዘይኮነ፡ ናብ ልኡላዊት ኤርትራን ህዝባን ዝመጣጠር ምዃኑ ከቶ ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን። ንእኩይ ኣተሓሳስባ ኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብቲ ንሱ ዝመርጾ ሜዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ዘዝኣተዎ ኣቲና ክንቃለሶ ዝግበና ከኣ ካብዚ ብምንቃል እዩ።

Last modified on Tuesday, 02 March 2021 09:39