ቃለ መጠይቕ ኢሳያስ፡ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየና ዘሎ” ዘብል’ዩ።

2026-01-13 09:01:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 405 times

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ቲ ኣቐዲሙ ተዘርጊሑ ዝቐነየ ሓበሬታ፡ ብ12 ጥሪ 2026 ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። እቲ ቃለ መጠይቕ ቅድሚ ምክያዱ “በቲ ሓደ ወገን እንታይ ሓድሽ ከየምጽእ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምናልባት ብዛዕባዚ ብወገን ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝውርወር ዘሎ መሰረት ኣልቦ ፈኸራስ ገለ ይብል ይኸውን” ኣብ ዝብሉ ኣዛራቢ ኮይኑ ጸኒሑ። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ብፍላይ  ኣብ “ኤርትራዊ ዘቤታዊ ዛዕባ”  ቅድም ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ፡ ዘምጸኦ ሓድሽ የለን።

ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ዳርጋ ከም መመላእታ ዝሰርዖ ዘቤታዊ ጉዳይ፡ ንኤርትራ  ብቑዕ ናይ መንገዲ ትሕተ ቅርጻ፡ ቀረብ ማይን ጸዓትን ከም ዘድልያ ግና ድማ ከምዘየብላ’ዩ ደጋጊሙ ጠቒሱ። ከምቲ ልማዱ ከኣ ኣብ መጻኢ ዓመታት ቀዳምነታት ኣትሒዝና ንሓስበሉን መልክዕ ነትሕዞን ክኸውን እዩ ኢሉ ሎሚ’ውን ተመባጺዑ። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ኣይትብከ እንድዩ  ዘብክያና ዘሎ”  ዝብል ።

 ነቲ ብሰንኩ ዝበኾረ ዕቤትን ልምዓትን ንኻለኦት ንምልጋብ ከኣ “ሰላምን ምርግጋእን ናይ ልምዓት ቅድመ-ኩነት እዩ” ዝብል መህደሚ ከቕርብ ፈቲኑ። ነቲ ንሱ ዝሕተተሉ ኣቐሚጡ ድማ፡  ሕጽረት ምሁራትን ክኢላታትን ከም ዕንቅፋት ልምዓት ከቕርቦ ተሰሚዑ። ኤርትራ ብሰንኩ ቁጠባዊ ዓቕሚ ከውሕስ ዝኽእል ክኢላን ምሁርን መንእሰይ ኣስኢንዋ ዘሎ ንሱ ምዃኑ ዘይርደኦ ኤርትራዊ ኣሎ ኢሉ ከዕሹ ምፍታኑ ከኣ የገርም። ኣብ ሃገሮም  ንዝነበሩ ኣውፈርቲ እንዳሰጉጐስ ካብ ወጻኢ መጺኦም ከውፍሩ ምጽውዑ ድማ ዘገርም ኣሽካዕላል እዩ።

ኣብቲ ክዛረበሉ እዩ ብዝብል ብዙሓት ዝተጸበይዎ፡ ንዘይሓላፍነታዊ ፈኸራ ብልጽግና ዝምልከት፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባቲ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘውሓሰ  ቃልስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽን ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ሕግታትን ኣትኪሉ ዕቱብ መብርሂ ዝህብ፡ “እዚ ጉዳይሲ ክለዓል ‘ውንኣይነበሮን” ኢሉ ድሕሪ ምጉብዕባዕን ብምንእኣስን፡ ንተግባር ናይቲ መንቀሊ ኣካል ብልጽግና “ሓሳዊ፡ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ስሱ  ክብል እዩ  ገሊጽዎ። እቲ ንጉዳይ ኤርትራ በይኑ ነጺልካ ምርኣይ ዘይኮነ፡ ንከባቢ ፈለግ ኣባይ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥን ብሓባር ምርኣይን ምስ ዝምልከቶም ጐረባብቲ ምልዛብን ዝበሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚኸ ቅድም ዘቤታዊ ጉዳዩ ወጊኑዶ  ጸኒዑ ይቕጽል ይኸውን? ወይ ብጉልባብ ዞባዊ ጽምዶ ይሃድም  ኣዛራቢ እዩ።

ካልእ ኢሳያስ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደሉ፡ ኣብ መድረኽ ዝሑል ውግእ፡ ነቲ ሶቬት ሕብረት ዝምራሕ ዝነበረ ደንበ  ኣፍሪስካ፡ ካብ ክልተ ደንበ ናብ ሓደ ደንበ ዝተኣትወሉን ኣብ ግዜ ልዕልና ኣሜሪካ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን ኩነታት እዩ። ነቲ ህልዊ  ምንቅስቓስ ኣሜሪካ ከኣ ናብ ክልተ ቀጽራዊ መሰጋገሪ ዘምርሕ ዘሎ መሰጋገሪ መድረኽ እዩ ኢልዎ። ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ “ኣሚሪካ ሓያል ንምግባራ (Make America G)reat” ዝብል ጭረሖ ከምዘይተዓወተን ብከም ቻይና፡ ሩሲያ፡ ህንድን ካለኦትን ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ተክኖሎጅን ወተሃደራዊ ዓቕምን ትብለጽ ኣላ’ውን ኢሉ።

ኣሚሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት Oዓለም ትገብሮ  ዘላ ኢድ ኣእታውነት ከኣ “ድብያን ጭውያን “ ብዝብል ካብ ውድቀት ዘውጸኣካ ቁጠባዊ ሕውየት ንምርካብ ዝግበር ናይ ስግኣት ጻዕሪ እዩ ይብሎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ምስ መራሕታ  ዝምድና ንምግባር ዘካየዶ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ገሊጹ፡ ተገልቢጡ ድማ ምስዛ ትብለጽ ኣላ ዝበላ ሃገር ዝምድና ንምፍጣር ዝገብሮ ጻዕሪ ክቕጽሎ ምዃኑ እዩ ተጋራጫዊ ሓሳብ ዘቕርብ።

ዘይሩዘይሩ እቲ ብውሱናት ሓድሽ ነገር ከምጽእ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃለመጠይቕ ኢሳያስ፡ ከምቲ ብዙሓት ዝገመትዎ ብፍላይ ኣብቲ ዘቤታዊ ጉዳያት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝበሎ ምድጋም እንተዘይኮይኑ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር የለን። ኢሳያስ’ውን ከም መራሒ ሃገር ዘይኮነ፡ ከም ታራ ተንታኒ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ።

Last modified on Tuesday, 13 January 2026 10:20