ብዕለት 27.11.2020 ጨንፈር ፍራንክፉርትን ከባቢኡን ምስዚ ህልዊ ኩነታት ናይ ኮቪድ-19 ብዝጥዕም ብናይ አለክትሮኒክ መራኸቢ ብምጥቃም ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ ኣቦመንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ካብዚ ንዓለምና ኣሸጊሩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ደሓን ክህልዉ ብምምናይን ተኸፊቱ። ቀጺሉ እዚ ዝስዕብ ኣጀንዳታት ተነቢቡ፡-
1ይ - ውሽጣዊ ኩነታት ጨንፈርን ሰደህኤን፤
2ይ - ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ሓይልታትን ደለይቲ ፍትሕን፤
3ይ - ህልዊ ኩነታት ውግእ ትግራይን ጽልዋኡን ዝብሉ ኔሮም
ኣብቲ ዝቐረበ ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ብምዝታይ ድማ መግለጺታትን ምርድዳኣትን ተኻይዱ። ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ጨንፈርና ሓያልን ድኹምን ጐድንታትና ብምግምጋምን፡ እቲ ብጽፉፍን ኣድማዕን ክንሰርሓሉ ዘሎንና ጉዳያት ድማ ተቢዕና ክንደፍኣሉ ምዃንናን ኣስሚርናሉ።
ካልኣይ: ኣብዚ ንዓለምና ብምልኡ ቀዳማይ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ውግእ ዞናና ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፡ እቲ ቀንዲ ሃንዳስን ብቀጥታ ተዋስኣይን ናይ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፎርቂ ምዃኑ ኣኼባ መዚኑ። ዲክታቶር ኢሳያስ ብዘይውግእ ክነብር ስለ ዘይክእል፡ ነዚ ውሽጣዊ ግርጭት ናይ ኢትዮጵያ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ንኣቢዪ ኣሕመድ ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ ከም መሳርሒ ብምጥቃም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሕነ ንምፍዳይ ሕኒን ክብለሉ ዝጸንሐ፡ ንምሉእ ዞናና ዘብርስ ኣዕናዊ ውግእ ከም ዝኽፈት ጌሩ። እቲ ውግእ ሕጂ ኣብ ብረታዊ ደረጃ ተሰጋጊሩ እምበር፡ ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ዝዕላምኡ ውግእ ክካየድ ከም ዝጸንሐ ኩላትና ክንዕዘቦ ከም ዝጸናሕና ኣኼባ ርእዩ።
ሳልሳይ፡ እቲ ውግእ ንምሉእ ዞናናን ዓለምናን ዝጸሉን፡ ብፍላይ ድማ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘብርስ ምዃኑ ኣኼበኛ መዚኑ። እቲ ቀንዲ ንዓለም ኣደናጊሩ ዘሎ ድማ፡ መለኽቲ መራሕቲ ኣብ ትግራይ ኢንተርነትን ኤለትሪክን ብምዕጻው ኩሉ ግፍዕታት ብምሽፋን፡ ዓለም ብሓደ ወገን ዝወሃብ ሓበሬታ ጥራሕ ስለ እትሰንቕ ዘላ‘ዩ። እቲ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ድማ፡ ሓላፍነቱ ነዞም ክልተ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ዘሰክም ምኻኑ ኣኼበኛ ርእዩ።
ካብዚ ብምብጋስ:
1ይ - ህዝቢ ኤርትራ ብመላኺ ኢሳያስ ተጐቲቱ፡ መንእሰያቱ ተገፊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እናተጠብሱ ይሃልቁ ስለ ዘለዉን፤
2ይ - ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኤርትራ ተኪኦም ንመዕርፎ ነፈርትን ወደባትን ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ክጥቀሙሉን፡ ኤርትራ ናይ ሰራዊቶም መበገሲትን መዋግኢ ሜዳን ከም ዝቐየሩዋን፤
3ይ - ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ሕጋዊ ናይ ዑቝባ መሰል ዝተዋህቦምን ዘይተዋህቦምን ኣብ ናይ ሞት ሓደጋ ወዲቖም ምህላዎምን፤
4ይ - ብዓቢኡ ድማ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንነዊሕ እዋን ከም ናይ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ሒዝዎ ዝጸንሐ እሞ ሕጂ ዝተጋህደ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ናይ ምሃብን፤ ኣኼበኛ ርእዩ።
በዚመሰረት፡
1ይ - ውግእ ደው ክብል፡
2ይ - ኣብ ትግራይ በዚ ውግእ ምኽንያት ትግራዎትን ኤርትራውያንን ሲቪላውያን ቅልጡፍ ረድኤት ናይ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ክረኽቡ፡
3ይ - ምልካዊ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክስሕብን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክወጹን፡
4ይ - ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹን፡ ልዑላውነት ኤርትራ ክኽበርን ብምባል፤
ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ደለይቲ ፍትሒን፡ ምሁራትን፡ ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራውያን፥ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክሰርሑዎ ዝጸንሑ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ናብ ዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታትን መጸዋዕታታት ምቕራብን ብዝያዳ፡ ቅልጡፍን ዝተወሃሃደን ጥሙር ንጥፈታት ቃልሲ ከካይዱ ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛ ነቲ በማእከላይ ባይቶ ዝወጸ መግለጺ ናይዚ እዋናዊ ጉዳይ ምሉእ ደገፉ ብምግላጽ ኣኼባ ተደሚዲሙ፡
ግፍዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ዘናሕስየሉ ወገን የለን። ይረድእዎ ኣይረድእዎ፡ እቶም ጌና ክሳብ ሕጂ’ውን “ናቱ ኢና” ዝብሉ ወገናት ከይተረፉ ግዳያት እዮም። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል እቲ ናይቲ ወጽዓ ምረትን ስንብራት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰበብና በበይኑ መልከዓት ዝሕዝ እዩ።
መንእሰይ ኤርትራ ሕድሪ ኣያታቱ ኣጽኒዑ፡ ሃገር ዝሃንጸሉ ፍልጠት ናይ ምቕሳምን ክኢላዊ ዓቕሚ ናይ ምጥራይን ዕድል ኣይረኸበን። ምኽንያቱ ካብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዘይብላ ሃገር ዜጋ ኮይኑ ስለ ዘሎ። ኣብ ክንድኡ ተገዲዱ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየርብሕ ውግኣት ንከኣቱ፡ መነባብሮኡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዘይሰብኣዊ ህይወትዚ ብጉልበትን ብመንፈስን ክጾሮ ስለ ዘይከኣል ከኣ ተስፋ ቆሪጹ ብዘይ ውሑስ ኣገባብ እግሩ ናብ ዝመርሖ ስደት መሪጹ። ኣብ ጉዕዞኡ ናብ ስደት፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕር ዝጠፈአ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዙሕ እዩ። ዕድል ረኺቡ ዓዲ ሰብ ዝበጸሐ ስደተኛ መንእሰይ ዘሕልፎ ዘሎ ህይወት እውን ቅሱን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ብዙሕ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ እዋንዚ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መደበራት፡ ኣን ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ብሕልና ምዝካሩ እኹል እዩ። ካብቲ መደበር ስደተኛታት ናይ “ርድኡና” ኣውያቶም እውን ኣብ እዚ ኩልና ይቃላሕ ኣሎ።
ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድን፡ ሓረስቶታን፡ ኮታ ኩነታት ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ መረበቱ፡ እንተ ዳህሲስና እቲ ብደሆ ካብ ናይቲ መንእሰይ ዝመረረ እምበር ዝሓሸ ኣይኮነን። ወጽዓ ህግዲፍ ሕርሕራይ ገይሩ ካብ ዘረኻኸበሎም ኤርትራዊ ወገናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ወዮ ህዝብን ሃገርን ክሕልውን ክከላኸልን ትጽቢት ዝግበረሉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውዳቑ ከኣ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ከም ዘላ ኣብነታዊ መርኣያ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዘይተተግበረ፡ ቀንዲ ተልእኮኡ ብሕገመንግስቲ እንዳተመርሐ፡ ዶባት ሃገርን ብሕጊ ዝተዋህበ መሰል ህዝብን ምዕቃብ ክኸውን መተገበኦ። እንተኾነ እቲ ክምርኮሰሉ ዝግበኦ ሕገመንግስቲ የለን። ሓይልታት ምክልኻል እውን “ናይ ኣየናይ ሕጊ ምእዙዝ እየ ዝኸውን?” ኢሉ ክሓትት ዝግበኦ ክነሱ ኣይሓተተን። ከምኡ ዘይምግባሩ፡ ጠንቁ ዘይምፍላጡ ዘይኮነስ፡ “ንጉጅለ ህግዲፍ ምጽማሙ” ዝብል ከም ዝኸውን ግምት ኣለና። ግና ክሳብ መዓስዩ ምጽማምን ምዕጋስን።
ሓይልታት ምክልኻል፡ ላዕለዎት እቶም መጠፋፋእቲ ኣዘዝቱ፡ ናይቲ ጉጅለ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ውሑዳት ጥራይ ዝርብሕሉ ምምሕዳር ናይ ረብሓ ተኻፈልቲ ብምዃኖም ከም ዝጠለምዎ ርዱእ እዩ። ንሱ እቲ ሰራዊት ባዕሉ “ንሃገራዊ ጉዳይ እየ ተሰሊፈ ዘለኹ” እንዳበለ፡ ብኣዘዝቱ ኣባይቶም ክሃንጽ፡ ሕርሻኦም ከልምዕን ካልእ ረብሓታቶም ከማልእን ዝግደደሉ ኩነታት ስለ ዝፈልጥ ከም ዝጠለምዎ ንምርዳእ ዘጸግሞ ኣይኮነን። ውግእን ወረ ውግእን ፈጺሙ ዘይረዊ ወልፊ ዲክታተር ኢሳያስ ከም ዝኾነን ኣብ ዝተኣጐደ ሓዊ ክስሕን ድሕር ከምዘይብልን፡ ኩሎም ሓይልታት ምክልኻል ክዋስኣሎም ዝጸንሐ ውግኣት ኣብነት ስለ ዝኾኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። እነሆ ከኣ እቲ ዕቡድ መራሒኡን ጉጅለኡ ህግዲፍን፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠቢስዎም።
ድሕሪ ሕጂ እቲ ሕቶ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተሳቲፉዶ ኣይተሳተፈን?” ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ሕቶ “ክብደት ናይቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደየናይኮን ይኸውን?” ዝብል እንተኾይኑ ኣብ ቦታኡ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝያዳ ኣብ ግንባራት ሑመራ፡ ባድመ፡ ራማ፡ ዛላንበሳን ራያን ብከበድቲ ብረት ተሰንዩ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ይዋጋእ ከምዘሎ የረጋግጹ ኣለዉ። ኢሳያስ ደገፉ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝያዳ ንምድልዳል፡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ኤርትራ መዳኸሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዘሎ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ብፍላይ ኣብ ግንባር ዛላንበሳ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ጋንታታት ተሓናፊጾም ብዘይእኹል ዕጥቅን ስንቅን ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዝዩ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ዘመልክት ሓበሬታታት ኣሎ። እዚ ሓበሬታ ናይ ማዕዶ ተዓዘብት ገመትን ዘይኮነ፡ ከምቲ “ዝወዓለን ይንገርካ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝበሃል፡ ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም ንግዜኡ ካብ ብሱል ጥረ ወጺኦም ዝሃብዎ ርጡብ እዩ።
“ሕሱም ሕማም ካብ ሞቱ ኣይሓልፍን” ዝበሃል ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጉጅለ ህግዲፍ ብዓል ጽቡቕካ ከምዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብግብሪ ኣርእዩካ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ካብ እትርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናይ ብዙሓት ብጾትካ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነበር ራሕሪሖምኻ ናብ ስደት ምኻድን በይንኻ ምትራፍካን መልእኽቱ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ጌና ካብቲ ኢሳያስ ዘጻውዶ እሞ ንስኻ ዋጋ ትኸፍለሉ ዘለኻ ውዲታት ክትወጽእ ኣይከኣልካን። ካብዚ ውዲት ምውጻእ ማለት ንኢሳያስ ከም ድላዩ ክዋገየሉ፡ ዓዲ ገዲፍካሉ ምኻድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ውዲት ምውጻእ ማለት ኢሳያስ ከምዚ ናይ ሎሚ ኣብ ውግእ ትግራይ ሸኺሉካ ዘሎ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘይኮነ ኣጀንዳ ከእትወካ እንከሎ፡ ብግብራዊ ስጉምቲ ዝተሰነየ ውዱብ “እምቢታ” ምስማዕ እዩ። እቲ ድሕሪኡ እትሕተቶ ዋጋ ካብዚ ሕጂ ተኸፍሎ ዘለኻ ንህዝብን ሃገርን ዘየርብሕ፡ ምናልባት እውን ንመጻኢ ወለዶ ሕማቕ ኣሰር ዘውርስ ዝቐለለ እምበር ዝኸበደ ኣይኮነን። እቲ መፍትሒ እምበኣር ከምቲ “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ዝበሃል፡ ብረትካ ናብቲ ዘይናትካ ክነሱ፡ “ናትካ እየ” ዝብለካ ጉጅለ ምዛሩ እዩ። ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ዝወርድ መከራን ውርደትን ካብዚ ንላዕሊ መሊኡ ክሳብ ዝፈስስ ክትጽመሞ ከኣ ምኽኑይ ኣይኮነን።
ኣብ ኣርእስትይ ቅድሚ ምእታወይ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሕሱማት ገዛእቲ ኤርትራ ብሕማቕ ጠመተ እትርአ ዝተወለድኩላን ዝዓበኹላን ብከረን ጻዕዳ እተጠምቀትን እትልለን ተቐባሊት ጋሻ ዝኾነት ከረን መነባብሮኣ ከመይን እንታይን ከምዝነበረት ብሕጽር ዝበለ ክገልጽ ደስ ይብለኒ።
ብፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምርድዳእን፡ ዓሌት ይኹን ወገን ዘየጥቅዓ፡ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ተኸባቢሮም ዝነብሩላ፡ ኣብ ሽግር ኮነ ኣብ ራህዋ ብሓባር ዝጕህዩን ዝሕጎሱን ንዝኾነ ግርጭታታ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ሽግር ዝፈትሑ ለባማትን ክቡራትን ሽማግለታት ዝነበራ፡ ኩሩዓት ሰብ መሬት ብሄረ ብሌንን ብሙሉኣተን ብሄራት ኤርትራን ዝተፈላለዩ ካልኦት ብሄራትን ብሓድነት ዝነብሩላ፡ ናይ ብሓንሳእ ኰንካ ምንባር ምኩር ተመኩሮ ዘለዋ ከተማ ምዃና ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ፡፡
ንኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መነባብሮ ፍቕርን ሰላምን ዘለዎ ህዝቢ ሕሱማት ገዛእቲ ኤርትራ እናተቐባበሉ ንክብርዝዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒን ዘይጻሕተርዎ መሬትን የሎን፡ ግፍዔኛ ሃይለስላሴ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብግስ ከይበለ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየንን ብምባል ንምጽናት ህዝብን ሕልሙ ንምትግባር ፈላሊኻ ግዛእ ኣብ ዝብል ኣምር ብምፍጣር ኣስላም ንኤርትራ ንኣዕራብ ክሽጥዋ ኢዮም እናበለ ምስ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ዑሱባት ኤርትራውያን ምትሕብባር ኣብ ነንሕድሕዱ ንከይተኣማመን ንቃልሲ ህዝቢ ክቆጽዮ ወግሐ ጸብሐ ብፈነዋ ሬድዮን ጽሑፋትን ምዝርጋሕ ብሓይሊ በትርን ብረትን ስጉምቲ ምውሳድ ኣየዕረፈን፡ እዚ ዓማጺ ስርዓት ዝዘንጎዖ አንተሎ ኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን ምኻኖም ኣይተገንዘቦን ሃይማኖታዊ ኣምር ከምዘይሰርሓሉን ብበትሪ ይኹን ብሓይሊ ብረት ምምብርካኽ ዘይሕሰብ ኢዩ፡ ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ንዝተገፈ መሰሉ ንኸውሕስ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ብሓባር ብረት ዝዓጠቀ፡ ህዝቢ ንዝዓጠቖ ብረት ብዘይ ውልውል መስዋእቲ ከፊሉ ንናጽነት ሃገሩ ከውሕስ ዝተበገሰ፡ እዚ መታለሊ ስርዓት ግን ነቲ ዘይዕወተሉ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ዞና ቀይሕ ባሕሪ ምስ ጥቕሞም ዘተኣሳስሩ ምዕራባዊያን ሃገራት ብምሉእ ሓይሎም ብረትን ገንዘባዊ ሓገዛት እናለገስሉ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ብጭካነን ዓመጽን ንዝገብሮ ዝነበረ ግፍዕታት ከም ዘይረኣዩን ከምዘይሰምዑን ዘተባብዕዎ ብምንባሮም ዘይርሳዕን ዘይሕከኽን ጸሊም ነባሪ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎም።
ኣብ መፋርቕ ስሳታት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዕሸሉ ከሎ ተጋደልቲ ኣብ ከተማ እናኣተዉ ብቀጻሊ ናይ ኢድ ቦምብ እናደርበዩ ራዕዲ ዘእተዉሉ ግዜ ሓይሊ ፖሊስ (ፖሊስ ዓባይ) ዓቕሙ ድሩት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብእስራኤል ዝተመልመሉ ቀዳሞት ሓይሊ ኮማንዶስ ኣብ ከረን ካብ ዝተመደብሉ ግዜ ኣትሒዞም ብዘይ ዕረፍቲ ንህዝቢ ምድሃልን ምብስባስን ኣብ ከተማ እናወረዱ ብዘይ ንሕስያ ምቕጥቃጥን እኩባት መንእሰያት ኣብ ዝረኸብሉ ግዜ ብዘይ ምኽንያት ዝሰሃልዎ ዝነበሩ እከይ ግብሪ ኣይርሳዕን ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብ1965 እቲ ናይ ከረን ኣውራጃ ፖሊስ ሓላፊ ዝነበር ኮሎነል ገብረኪዳን ምስ ተቐትለ ብሰላሳ ኣንደኛ(31st Division) ዝፍለጥ ጦር ሰራዊት ብለይቲ ኣብ ከረን ድሕሪ ምእታዎም ኣብ መንገዲ ዘዝረኸብዎ መንእሰያትን ሽማግለታት ከይተረፉ ብማህረምቲ ዝተሰሃልዎ ውሑድ ኣይኮነን፡ ኣብ ዝኣተዉላ ለይቲ ከይኣክል ንጽብሒቱ ገዛገዛ እናኣተዉ ንቆልዑትን ኣንስትን ክፍትሹን ከበሳብሱን ኣብ ዝጀመሩሉ እውን ኣብ ዓድ ሓባብ ንዝፈጸምዎ ምብስባስ ሓደ ወላዲ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ሴፍ መዚዙ ንሓደ ካብ ጦር ሰራዊት ቅድሚ ምቕታሉ ቀዲሞም ኣብ ቅድሚ ስድርኡ ዝረሸንዎ፡ እቶም ሽዑ ዝመጹ ጦር ሰራዊት እውን ከም ተወሳኺ ቆዋሚ ሓይሊ ኣብ ከረን ተመደቡ፡ እዚ ግዙፍ ሓይሊ ኮማንድስን ጦር ሰራዊትን ኢትዮጵያ በብወገኖም ንምጽናት ተጋደልቲ ኣብ ዝወፍሩሉ ግዜ እቲ ቃልሲ ብዕሸሉ ከሎ ውሑዳት ዝቁጽሮም ተጋደልቲ ኣድብዮም ድሕሪ ምጽናሕ ንኮማንዶስ ይኹን ንጦር ሰራዊት ሃሰያታት የውርድሎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ በንጻሩ እውን ሰራዊት ገፋዒ መንግስቲ ሃይለስላሴ ምስ ውሑዳት ምዑታት ተጋደልቲ ገጢሞም ዓወት ኣብ ዝረኸቡሉ ግዜ ህዝቢ ንምርዓድ ምእንቲ እዛ ሓላል መሬት ንዝተሰዋኡ ሸውዓቲ (7) ተጋደልቲ ኣምጺኦም ንናይ ከረን መዘጋጃ ቤት ቃራናታት ተኺልኩም ኣንጠልጥልዎም ዝብል ትእዛዝ ኣብ ናይ ቀደም ፈርሸት እኽሊ ዝነበረ ሕጂ እንዳኹዳር ዘሎ ህዝቢ ንክዕዘቦም ዘተሓላለፉ፡ ጸኒሖም እውን ዕስራን ሓደን (21) ስዉኣት ብምምጻእ ዕጫ ብጾቶም በጺሕዎም ኣብቲ ልሙድ ቦታ ኣንጠልጠልዎም በብውልቂ ንዝተሰውኡ ከይተረፈ ኣብ ጎደናታት ምጽታሕ ዝፍጽምዎ ኢሰባዊ ተግባራት ንገዛእቲ መግለጺ እንታይነቶም ከም ዝኾነ ንህዝቢ ብሩህዩ፡ ኣብ ወርሒ9, 1968 እቲ ዝመረረ ክስራን ዘስዓበ ብሰራዊት ሓርነት ዝተወስደ መጥቃዕቲ ሓልሓል ብግምት 50 ዝኾኑ ስዉኣት ተጋደልቲ ኣምጺኦም ኣብ ጂራፊዮሪ ብምጽጥሖም ንህዝቢ ጓህን ስንባደን ኣስዒብሉ ኢዩ እቲ ዕሉል እንደራሴ ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ ኣስራተ ካሳ ነዚ ኢሰባዊን ዘነውርን ተግባራት ከም ዓወት ቆጺሩ ብምጕብዕባዕን ምፍርራህን መደረ ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ልዕሊ ዝተሰዉኡ ምዑታት ተጋደልቲ ንዝተዓወቱ ኮማንዶስ ሽመት ድሕሪ ምዕዳሉ ኣስላም ስለ ዝኾኑ ኣብ መቓብር ኣስላም ቅበሩዎም ኢልካ ትእዛዝ ምሕላፍ ልሙድ እኳ እንተነበረ እቲ ዝተሰዋኤ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ምእንቲ መሬቶም ንዝሓለፉ ኣብ መሬቶም ኣብ ሓደ ጉድጓድ ኣስላምን ክርስቲያን ብሓባር ዝተቐብሩ፡ እዚ ኩሉ ተግባራት ንህዝቢ ምስንባድን ምርዓድን ምፍርራሕን ብመደብ ዝፍጸም ከም ዝነበረ ህዝቢ ኣይሰሓቶን ለሚድዎ ከኣ ኢዩ፡ ብኣንጻሩ በዚ ክፍኣት ዘይደሃል ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ምጽንባርን ምሕጋዝን ብምዕዛዝ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ፡፡
ሓይሊ ህዝቢ ካብ ሓይሊ ብረት እናበርትዓሉ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ እዞም ብደም ኤሪትራዊ ኢዶም ዝጨቀወ ሃይለስልሴ ይኹን ኣስራተ ካሳ ንዕንወት ንብረትን ምቕንጻል ህዝብን ምቅጻል ቑሸታትን ሓድሽ መምርሒ ብምውጻእ ናብ ከባቢ ዘለዋ ቑሸታት ካብ ዘለዉዎ ቦታ ለቒቖም ኣብ ካልእ ቁሸታት ንክጥርነፉ ብምግባር ነባሮ ዝተፈላልየ ቁሸታት መዋእሎም ንዝዓበይሉን ዝሰረትዎን ቦታ ሓዲጎም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናረኣዩ ዝተቃጸለ ቦታታቶም ሓዲጎም ኣብ ኢዶም ንዝጸንሐ ንብረት ሒዞም ገለን ነናብ ዝፈልጥዎ ምጽጋዕን ገለን ከኣ ኣብ ካልእ ዝተፈቕደሎም ምህናጽን ተጸሚዶም ቅሳነት ዘይብሉ ናብራ ንምሕላፍ ዝተገደዱ፡ ካብ ዝፈርህዎ ከይወጹ ነቲ ሓድሽ ናብርኦም እናኣማሓየሹ ንዝሃነጽዎ ከይተረፈ ንወንበደ ትምግቡን ትሕግዙን ኣለኹም ብዝብል ምስምስ ምፍጣር ኣብ ምቅጻልን ምዝራፍን ምቕታልን ስለ ዘስዓብሎም ክጻወረሉ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ገሊኡ ንስደት ገሊኡ ብረት ኣልዒሉ ንክቃለስ ዝመረጸ፡ ናጽነታዊ ቃልሲ ሓይሉ እናደልደለ ኣብ ዝመጸሉ ሰራዊት ሓርነት ኣብ ምጥቃዕ፡ ወተሃደራት ግፍዔኛ ሃይለስላሴ ብተጋደልቲ ንዝወርዶም ዝነበረ ማህሰይትታት ክጻወርዎ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ብደብዳብ ነፈርቲ ብዘይ ኣፈላላይ ቆልዑትን ኣንስትን ሽማግለታትን ንዝነበራ ቁሸታት ምስ እንስሳ ዘበት ከይተረፋ ከም ዘይነበራ ዝገብርወን ዝነበሩ፡ ህዝቢ ነዚ ተተመላሊሱ ኣብ ልዕሌኦም ንዝወረድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ተግባራት ጠጠው ከምዘይብል ድሕሪ ምግንዛቦም ገለን ንሜዳ ወጺኡ ብረት ክሕንገጥ ከሎ ገሊኡን ንስደት ዘምረሐ፡ ምዑታት ሰራዊት ሓርነት መጥቃዕትታት ኣብ ምቕጻል እቲ ህዝቢ ንምጽናትን ምብስባሳትን ኣብ ኤርትራ ዝተመዘዘ ጀነራል ቶሾመ እርገቱ ንመታሕት ኣብ ዝወርደሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ መንጎ ሃብርንጋቓን ዒላበርዕድን ኣብ ባልዋ ምስበጽሐ ኣድቢዮም ብምጽናሕ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰዱሉ ሕነ ጀነራሎም ክፈድዩ ኣብ ከባቢ ከረን ንዘለዋ ቁሸታት ብዘይ ዕረፍቲ ህዝቢ ምህላቕን ምዝማትን ንቁሸታት ምቅጻልን ዘድሃቡ፡ እዞም ደም ሰብ ዘይጸገቡ ኣብ መወዳእታ 70ታት በሰክዲራን፡ ዖናን ዕጨአን በጺሑ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ፍልልይ ብዘይንሕስያ ብጃምላ ምስ ህዝበን ዘቃጸልወንን ዘዕነውወንን።
እቲ ብዕለት November 30,1970 ዝተገብረ ኣረሜናዊ ህልቂት በሰክዲራ ብማሕበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺን ኣብየ መንፈቕ ዝሕተም ዝነበረ መጽሔት ትምጻእ መንግስትከ ቁ. 73-74 2000-2001 ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ህላወኦም ስለ ዝነበረ ካብኡ ንላዕሊ ክገልጽ ኣይክእልን እቲ ዘጒሂ ግን ንክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ቤት ጸሎት ኣእቲኻ ብግፍዒ ምርሻኖም ዘሕዝንን ዘይርሳዕን ገበን ኢዩ፡ ብኣሕዋት Dr. ክፍለማርያም ሓምደን ተኪኤ ዓሊበኺትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ናይ Kabod Tv ኣብ መበል 49 ዓመት ህልቂት በሰክዲራን ዖናን ንዝገበርዎ ዝምስገን ምልልስ እኹል ኢዩ ኢለ ዝኣምን ናብ ናይ ዖና ታሪኽ ከድህብ።
ኣነ ንህልቂት ዖና ትዕዝብተይ ክህበሉ ከለኹ እንታይን ከመይን ከምዝነበረ ተሳትፎ ብሙልኡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከረን ነዚ ዘሕዝንን ዘጒህን፡ ብግፍዒ ዝተቐትሉን ዝሓረሩን ኣብ ሬሳታትን ውጉኣትን ምልዓልን ምቕባርን ዝተሳተፍኩም ከም ናተይ ነናትኩም ትዕዝብቲ ክህልወኩም ስለ ዝኽእል ኣነ ዘየስፈርክዎን ዝረሳዕክዎን ክትምልእዎን ንዘለዎ ጌጋታት ንኽትእርምዎ ይላቦ።
November 30, 1970 ኣመንቲ ምስልምና ዒድ ንከኽብሩ ኣብ ሜዳ ኲዕሶ እግሪ (ጆኮ) ከረን ተኣኪቦም ዝሰግድሉ መዓልቲ ብምንባሩ ንክብሪ እዚ በዓል ስካውት ከረን ከምቲ ልሙድ ኣብ ዝኾነ ሃይማኖታዊ በዓላት ጸጥታ ንምኽባር ተሰሊፍና ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ሰላት ዒድ ቅድሚ ምጅማሩ ዳርጋ 100 መትሮ ዝርሕቀቱ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብረት ዝዓጠቑ ጦር ሰራዊትን ረሻሻትን ድሩዓት መካይንን ዝሓዛ ብምዕዛብና ኣብ ዘሰክፍን ዘጠራጥርን ኩንታት ከም ዝነበረን ህላዌ መራሒ ጦር ሰራዊት ኮለኔል ወለና ኣብኡ ብምንባሩ ምናልባሽ ንዝሰግዱ ዝነበሩ ስጉምቲ ንምውሳድ ትእዛዝ ከተሓላልፍ ይጽበዩ ደኾን ነይሮም ብምባል ኣብ ግምትን ኣብ ሓሳብን ዝተወሓጥና እቲ ፍርሂ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰላት ዒድ ኣብ ምዉድኡ ተቓሪቡ ከሎ ኣብ ሕለት ሱዳን ኣጉዶ ስለ ዝተቓጸለት ምስ ብጻየይ ካብ መስርዕ ወጺእና ብጉያ ድሕሪ ምብጻሕና ነቲ ባዕሉ ዘቃጸላ እንፈልጦ ሰብን ምቅጻል ኣብ ካልእ ኣጉዶ ከይለሓመ ምቁጽጻር ዝበጻሕና፡ ሰላት ኣልዒድ ኣብቂዑ ፋሕ ስለ ዝበለ ምናልባሽ ምቅጻል ናይዛ ኣጉዶ ናይቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ህልቂት መድሕን ከይኮነት ኣይትተርፍን ዝብል ግምታት ዝበጻሕና፡ ኣብ ዝተጠቕሰ ዕለት ዒድ መዓልቲ ብዘይ ምሕረት ህልቂት በሰክዲራ ዝፈጸሙ።
December 1, 1970. መዓልቲ ካልኣይ ዒድ ብምንባሩ ኩሉ ተመሃራይ ደወል ከይተደወለ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብኲነተት ዒድ ኣልዒልና እናዘተና ካብ ጥቓ ቤት ትምህርትና ዘሎ ዕርዲ ፎርቶ ጸላኢ ዝተወንጨፈት ቦኽሪ መድፍዕ ስጉምቲ ንህልቂት ዖና ዘምረሐት ኮይና ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ንክፍጽሙ ኣብ ከባቢ ዖና ኣድብዮም ዝጸንሑ ምሕረት ብዘይብሉ ብዘይ ዕረፍቲ ጭካነ ብዝመልኦ ቆልዑትን ኣንስትን ሽማግለታትን ከይፈላለዩ ብካራን ብጥይትን ካብኡ ዝኸፍኤ እውን ኣብ ገዛውቶም ምስ ንብረቶም ብሓዊ ዘሕረሩን እታ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተኣኻኸበት ቁሸት ከምዘይነበረት ገበርዋ፡ ህዝቢ ከረን ነዚ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ናበይ ከምዘምርሕ ስለ ዘይፈልጠ ነብስኻ ንምድሓን ኣብ ዘዝረኸብካሉ ቦታን ዝበዝሕ ተመሃራይ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ክፍልታት ድሕሪ ምዕቛብ ህድእ ምስ በለ ነናብ ገዛኻ ምስ ኣቶኻ ጓሂ ሓዘን ቅሳነትን ድቃስን ዘይብሉ ከም ዘይሕለፍ የሎን ሓሊፉ። እቶም ደቂሶም ዘይሓደሩ ሽማግለታት ዓዲ ነቶም ብግፍዒ ዝተቐትሉ ዝሃለቁን ንቡር ቀብሪ ክግበረሎም ብምባል ምስ ኣዛዚ ናይዚ ቅንጸላን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ኣብ ለመና ድሕሪ ምጽማዶም ንሕጽር ዝበለ ግዜ ንክቕበሩ ስለ ዝተፍቕደሎም ወረ ምስ ተዘርግሐ፡ December 2, 1970 ኣብ ቤት ትምህርቲ ደወል ተደዊሉ ኣብ መስርዕ ከለና ንዝተረኽበ ሓበረታ ኣብ ሓንጎል ኩሉ ተምሃራይ ብምንባሩ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ኣቃልቦና ነቶም ብጭካነ ዝሃለቑ ረሳታት ንምልዓልን ንምቕባርን ብሙሉኡ መስርዕ ጥሒስና ተበገስና ስካውት እውን ንኣብ ቤት ትምህርትና ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ኣቲና ንዘሎ መዅዓቲታትን ባዴላታትን ሒዝና ናብ ዖና ተበገስና፡ ኣብኡ ኣብ ዝበጻሕናሉ ዘጕህን ዘሰንብደን ብዓይንኻ ኽትርእዮን ንኽትኣምኖን ዘጸግም እቲ ጎልጎል ብብረትን ሳንጃን ነብሶም ዝተባሳስዔ ሬሳታት ህጻናት ኣብ ሕቚፊ ወላዲቶም ዝሞቱን ብሂወቶም ጡብ ወላዲቶም እናጠበዉ ብምርኣይን ኣብ ውሽጢ ኣባይቶም ብሓዊ ዝሓረሩን ነዞም ብጭካነ ስጉምቲ ዝተወስደሎም ክትዕዘብ ከሎኻ ወላኳ ጭንቀት ዘስዕብ እንተኮነ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ገለን ጎዳጉድ ኣብ ምኵዓት ገለን ሬሳታትን ዉጉኣትን ኣብ ምልዓልን ኣብ ስጉምቲ ዝተወስደሉ ቦታ ዘምለጡ ውጉኣትን ቁሱላትን ኣይሰኣኑን ብመባል ሬሳታትን ቁሱላትን ንምድላይ ካብቲ ህልቂት ዝተፈጸመሉ ኣርሒቕና ብምኻድ ዉጉኣትን ቁሱላትን ዝረኸብና፡ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ብምንባሩ ገለን ብዝተረኽበ ዓለባን ተንኮባታትን ኣብ ምግናዝ ገለን ንምዅዓቱ ዘየጸግም ልስሉስ ቦታ ኣብ ዝተረኽበሉ ብጃምላን ብንጽልን ብድርብን ኣስላም ይኹኑ ክርስትያን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ንምቕባሮም እውን ዘጸግም ኣይነበረን፡ ከም ስካውት መጠን ንተረኽቦ እዚ ህልቂት ክንስንዶ ስለ ዝነበረና ብቑጽሪ 647 ሬሳታት ቀቢርና ምናልባሽ ካብኡ ንላዕሊ ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል ግምታት ነይሩ ኢዩ ስለምንታይ ኣብቲ ከባቢ ሬሳታትን ቁሱላትን ብምርካብናን ከም ዝተረደኣና እውን ኣብ ከባቢ ዝቕመጡ ጸኒሖም ቁሱላት ምምጻእን ሬሳታት ኣልዒሎም ከም ዝቐበሩን ገለ ሬሳታት እውን ብስድራበታት ኣብ ዘዝደልይዎ ወሲዶም ዝተቐብሩን እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ካብቲ ኣቐሚጥናዮ ዘሎና ቁጽሪ ንላዕሊ ከምዝኸውን ዘየጠራጥር ኢዩ።
ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦታት ከም ስካውት ንሓገዝ ኣብ ሆስፒታል መዓልታዊ ተጸሚድና ከሎና እቲ ዕሉል ኮለኔል ወለና ነዚ ህልቂት ዝፈጸመን ናይ ከረን ኣውራጃ ፖሊስ ሓላፊ ሜጀር ነጋሽን ሆስፒታል ንክበጽሑ ኣብ ዝመጽሉ ግዜ ኣብ ሓደ መእለዪ ክፍሊ ድሕሪ ምእታዎም ገልጠምጠም ብምስማዕና ምስ ገለ ካብቶም ቆሲሎም ዝእለዩ ዝነበሩ ደኾን ይኸውን እናበልና በንጻሩ ምስ ማርቲ ሰበይቲ ሚስተር ሁዩ ዳውኒ ከም ዝነበረ ፈሊጥና ምኽንያቱ ኣዛዚ ናይ እዚ ህልቂት ንክበጽሕ ደስ ስለ ዘይበላ'ዩ እዚ ከይኣክል ሚስተር ሁዩ ዳውኒ ብደገ ጸኒሑ ኣብ ዝመጸሉ እውን ዳግመ ግጭትን ምስሕሓብን ኣብ ዝተፈጥረሉ ካብ ሆስፒታል ብዘይ ዕረፍቲ ንዉጉኣት ዝሕግዙሉ ዝነበሩ ኣልቂቖም ካብ ከረን ንክወጹ ዝተገደዱ። ሚስተር ሁዩን ማርታ ዳውኒ ንነዊሕ ኣብ ከረን ዝተቐመጡ ኣመሪካውያን ኮይኖም ኣብ ከባቢ ከረን ብዙሕ ሓገዛት ዘበርከቱ መዕበይቲ ዘኽታማት ምስ ቤት ትምህርቱ ዘቆሙን እቲ ዝዓበየ ከኣ እታ ኣብ ህልቂት ዖና ንዉጉኣት መእለዪ ዝኾነት ሓዳስ ሆስፒታል ብተበግሶኦም ዝተሃንጸት ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብህዝቢ ከረን ዝምስገኑን ዝልለዩን ፍጡራት ኢዮም፡፡
ኣብ ከረን ጽቡቕ ግብሪ ከምዝገብሩ ክፍለጠሎም ዘይደልዩ ባእታታት ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮኑን ምስ እዚ ኵነታት ዖና ዝተኣሳሰረ ንሓገዝ ኩሉ ግዜ ድልው ዝኾነ መሓመድ ኑር ያቆት ነብሱ ይምሓር ብዘይ ወለዲ ካብ እዚ ህልቂት ዝተረፉ ቆልዑት ሓንቲ ሞግዚት ቆጺሩ የዕቢ ምንባሩ ዓቢ ኣብነታዊ ታሪኽ ዘለዎ ዘይርሳዕ ፍጡር ኢዩ።
ንዝተጠቕሰ ኩነታት እቲ ዝተገብረ ግፍዒ ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ጓህን ሓዘንን ቅርሕንትን መርገምን ኣብ ውሽጥኻ ተዓቝሩን ተቆጢቡን ከሎ እታ ኣበየ ዓመት እትብዕል ነግዲ ቅዱስ ሚካኤል January21,1971 ኣመንቲ ክርስትናን ኣመንቲ ምስልምናን ከይተረፉ ዝሳተፍሉ በዓል ኮይኑ ከም ልሙድ ተሳትፎ እቶም ዓሚቝ መንፈሳውነት ዘለዎም ምእንቲ መሰል ወዲ ሰብ ዝጣበቁ ምስ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ክርስትናን ኣስላምን ጽቡቕ ስኒትን ሕውነትን ዘለዎም ኣፈኛ ዕቡሳት ዝኾኑ ብፁእ ኣቡነ ኣብራሃ ፍራንሱዋ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ኣቡን ነፍሶም ይምሓር ድሕሪ ዑደት ንነጋዲያንን ዕዱማት ኣብ ህላወ ናይዚ ህልቂታት ዝፈጸሙ ገበኛታት ሰበ ስልጣን ከይተረፉ ዝተሳተፍዎ ጸሎት ድሕሪ ምዕራጎም ንዓኦም እናጠመቱ ንሓደ ኣብ መንጎ ኣስመራን ከረን ዝወስድ መንገዲ ብቅትለት ሓደ ጀነራል ሕነ ንምፍዳይ ቆልዕትን ኣንስትን ሽማግለታትን ንዘህለቑ ኣይትቕተል ዝብል ትእዛዝ ብምጥሓሶም ንዓኦም እናጠመቱ እውን በዓል ፈረስ ፈረስካ ኣይትእመኖ ክመውት'ዩ በዓል ክዳን ክዳንካ ኣይትእመኖ ክበሊ'ዩ በዓል ሽመት እውን ሽመትካ ኣይትእመኖ ክቕንጠጥ'ዩ ምስ በሉ ወዮ ኢዶም ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ መእተዊ ጠፊእዎም ብረሃጽ ክከላበቱ ምርኣይ ንህዝቢ ጸባ ዘስተዩ ኣቦን መራሕን እዮም፡ ኣብ ዘዝተኻፈልዎ ኣኼባታት ጨቆንቲ ከይተረፈ ንገዛእቲ ርእሶም ከምዘድንኑ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣፈኛ ዉጹዕ መራሒዮም።
ለውጢ መጺኡ ንኣረሜናዊ ግዝኣት ሃይለስላሴ ዝተክኤ ግዚያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ(ደርጊ) ካብ ሃይለስላሴ ዘይፍለ ንኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ግፍዕን ዓመጽን ምቕጻልን ቅትለታትን ብዘይ ንሕስያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት እናኣውረደ ኤርትራዊ ትውልዲ ዘለዎ ሓደገኛ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብኣቦ መንበርነት ብምምጸኦም ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ኣውዲቕዋ ከም ዝነበረን ኣብ ሓጺር ግዜ ንኤርትራ ዑደት ምፍጻም ዝተበገሰሉ ኣብ ከረን ቅድሚ ምብጽሑ ሕዝቢ ተቓውሞ ንምቕራብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንከባቢ ከረን ወኪሉ ኣባል ፓርላማ ዝተመርጹ ተባዕ ወላዲ ሰርጌንቲ ተወልደ በይን ነብሶም ይምሓር ምስ ኣብነትን ኮስኮስቲ ቃልሲ ከረን ዝኾኑ ወልደሱስ ዓማርን ስዉእ ሚካኤል ጋብርን ኣብ ከረን ዝርከብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ህዝቢ ብምእካብ ንኣብ ከባቢ ከረን በብግዜኡ ንዝፈጸምዎ ግፍዕታታ ኣቤቱታን ተቓውሞን ንምቕራብ ዘተባብዑን እዮም፡ ኣማን ዓንዶም ኣብ ከረን ዝመጸሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝተኣከበ ህዝቢ መደረ ብዓረብኛ ጸኒሑ ብጸያፍ ትግሪኛ እታ ዝነበረት መንግስቲ ልባ እምኒዩ ብምባሉ ንዝፍጸሙ ዝነበሩ ገበናት ንኣረሜናዊ ሃይለስላሴ ዘሰክም ወቐሳ ምንባሩ ኣይዝንጋዕን፡ ህዝቢ ንኣማን ዓንዶም ሓደገኛ ወተሃደር ኢትዮጵያ ብምዃኑ ኣይተቐበሎን፡ ስዉእ ሚካኤል ጋበር እቲ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረን ኣብ ዝተፈላለየ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ናይ ተቓውሞ ጸብጻብ ብድፍረት ከቕርብ ምስ ጀመረ ኣማን ንጸብጻብ ንከጽንዖ ሃበኒ ኢሉ ተረከቦ ስዒቡ ካብ መንእሰያትን ዓበይትን ከይተረፈ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዕባራ መልሲ እናሃበሉ ዝዓጸዎ፡ ሰርጌንቲ ተወልደ በይን ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ከሎ ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሃይለስላሴ ይኹን ብመንግስቱ ዝፈጸም ዝነበረ ግፍዓዊ ገበናት ዝቃወሙ ዝነበሩ ህዝቢ ከረን ዝኾርዓሎም ኣቦ ኢዮም።
ኩሉ ገግዜኡ ኣለዎ ከም ዝበሃል ንመዋእል እናዓመጸ ዝነብር ፍጡር የሎን፡ ሃይለስላሴን መንግስቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1961 ጀሚሩ ዝተፈጸመ ገበናት ዘይርሳዕን ዘይሕከኽ ዝሓደግዎ ነባሪ ጸሊም ታሪኽ ዘይርሳዕዩ፡ ሃይለስላሴ ግዜ ኣርኪባቶ ብዝመጸ ለውጢ ሓንቲ ከይሓዘ ጥርሑ ክጓሓፍ ከሎ መንግስቱ እውን ግዚኡ ሓልዩ ንስደት ብህድማ ዘምረሐ።
እናወደቐን እናተስኤን ዝተጓዕዘ ቃልሲ ክቡር መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋል ኤርትራ ነጻ ወጺኣ፡ ብዝፈሰሰ ደም ስዉኣት ዝበቖለ ዕንባባ ንሓርነትን ነጻነትን ንጥቕሚ ዉሑዳት ዘይኮነስ ንጥቕሚ ብዙሓት እውን ምንባሩ ክዝንጋዕ ዘየልብሉን ዘይከሓድን ሓቂ ኢዩ።
ዝተጠቕሰ ህልቒታት ኣብ 50 ዓመት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልብና ዝሰረተ መዓልታዊ እናተዘከረ ዝነብር ዘይርሳዕ በሰላ ዘለዎ ታሪኽ'ዩ።
ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና።
ኤርትራን ህዝባን ካብ ሻቕሎትን ስኽፍታን ካብ ዘይወጹ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ኣብዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ራህዋን ሰላምን ክመጽእ እንቃለሰሉ ዘለና መዋእል፡ ካልእ ሓድሽ መልክዕ ዝሓዘ መከራ የንጸላልዋ ምህላዉ ከኣ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እቲ መዋጸኦ ካብዚ ሕማቕ ዘበን እምበኣር፡ ምሕዛንን ምስቁርቋርን ዘይኮነ ነቲ ኩነታት ብቃልሲ ምቕያሩ ጥራይ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሓት ናይ ቃልሲ ምዕራፋት ዝሓለፈ ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ዝሕለፎ ምዕራፋት ቃልሲ ንሓንሳብ ኣንጻር ናይ ወጻኢ መግዛእቲ ንሓንሳብ ከኣ ኣንጻር ዘቤታውያን ወጻዕቲ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። ዝኸፈሎ ዋጋ ግና ብላሽ ኣይተረፈን። ብኣንጻሩ ኣንጸባረቕቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ቅድም ኣብ ዝተናወሐ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ናጽነት ምርግጋጹ፡ ድሕሪኡ ብረፈረንደም ልኡላዊት ሃገር ምውናኑ መርኣያ ናይቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ውጽኢታዊ ምንባሩ እዩ። እዚ ዓወታት ኣብ ምርግጋጽ ናጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ግና፡ ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ቃልስን ዘይተርፍ ዓወትን መንጠርቲ እምበር ናይ መወዳእታ ሸቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝብና ምእንቲ ዘተኣማምን ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ድሕሪ ናጽነት እውን ቃልሱ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝቕጽሎ ዘሎ።
ኢሳያስን ጉጅለኡን ቀዳሞት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሓያሎ ኤርትራውያን ወገናት ግና ጉጅለ ህግዲፍ “ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪዩ ደኾን ድምጺ ህዝቢ ይሰምዕ ይኸውን” ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን፡ ነቲ ጉጅለ ግዜን ዕድልን ክህብዎ እምበር “ቀዳማይ ጸላኢና እዩ” ክብልዎ ኣይመረጹን። ብግብሪ ግና እ መርዛም ጉጅለ እንተዘይከፊኡ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ ግዳም ሓይልታት መግዛእቲ ዘይሓይሽ ምዃኑ እንዳበረሀ ምስ መጸ እቶም ካብቲ ጉጅለ ተስፋ ዘይቆረጹ እንዳወሓዱ፡ እቶም ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዝተረድኡ ኤርትራዊ ወገናት ከኣ እንዳበዝሑ መጺኦም። ኣብዚ እዋንዚ ዋላ ዓው ኢሉ ኣይዛረብ፡ ንኢሳያስን ኣተሓሳስባኡን ካብ ልቡ ዘየውጸኦ ኤርትራዊ የለን። እቲ ብቓልዕ ዝኹንኖ ወገን ብፍልስይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ መመሊሱ ይስስን ኣሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ኢዱ ከም ዘእተወ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኢሳያስ ቅድሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝካየድ በቲ “ንወያነ ዝምልከት ጸወታ ተወዲኡ” ዝበሎ ኣውጅዎ እዩ። ካብዚ ነቒሎም እዮም ከኣ ብዙሓት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኢሳያስ ኣብዚ ውግእ ተዓዲሙ ክሕግዝን ዝሳተፍን ዘሎ ዘይኮነ፡ “ዋናኡን መሃዚኡን ንሱ እዩ” ዝብሉ ዘለዉ። እቲ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ ገምዳሕዳሕ ከኣ ባዕሉ መስካሪ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብመንጽርቲ ክብደቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘውርዶ ዝነበረ በደል፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ከምምዘይጨከነ ብዙሓት ክዕዘብዎን ክሓትሉን ዝጸንሑ እዩ። ንሕና እውን ግብረ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጻዒ ግብርን ኣተሓሳስባን ህዝብና ማዕረቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ በደል ከምዘይጸነሐ ንርዳእ ኢና። ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ? ህዝቢ ንወጽዓን ወጻዒኡን ክሳብ ክንድዚ ክጸውርከ ባህርያዊ ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ወገናት ከቕርቡ ዝጸንሑ እዮም። ብፍላይ በቶም ንረቂቕ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ኣጠማሚትካን ፈላሊኻን ናይ ምግዛእ ተንኮል ጉጅለ ህግዲፍ ዘይተረድኡ ወገናት፡ እዚ ሕቶታትዚ ክቐርብ እትጽበዮ እዩ። ንሕና ግና ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክንድቲ ዝድለ ዘይምጽንሑ ንወጽዓ ህግዲፍ ስለ ዝረዓመ ዘይኮነ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑ ስለ ዝጸገሞ ምዃኑ ኣይንዝንግዖን ኢና። ሕጂ ከኣ እነሆ ንህዝብና ምጻሩን ምጽማሙ ዘጸገም መዓት ጐቲትሉ ኣሎ።
ሎሚ ጉጅለ ኢሳያስ ሒዝዎ ዘሎ መሻረዊ መንግዲ፡ እኩብ ድምር ናይቲ ክመጾ ዝጸንሐ መርዛም ተመኩሮ ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። እዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ህይወት ዝህልቕን ንብረት ዘብርስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገር ብዓባያ ምስ ህዝባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። ብኣንጻሩ ብዓንተቦ እንተዘይተቖጽዩ እቲ ጉጅለ ሕነ ዝፈድየሉ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራዊ ኣካላት ዘዳኽመሉን ኣብዚ ዞባ ዘራጊ ተራኡ ዘዛይደሉን ኩነታት ዝፈጥር ምዃኑ ርኡይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ እውን ከምቲ ናይ ቅድም እንተደኣ ተዓጊስዎ ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ብሩህ እዩ። ስለዚ ጽባሕ ተጣዒስካ ኣብ ዘይዛሪ ጸገም ቅድሚ ምውዳቕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጉልባቡ ቀሊዑ ዓው ኢሉ ኣንጻር ህግዲፍ ክለዓል ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐን ሕጂ’ውን ጋና ቀጻሊ ዘሎን ወጽዓን ሕሰምን ቀንዲ መበቆሉ ካብ ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ቀንዲ ዝሕተተሉ ከኣ፡ እቲ “ህዝቢ ክመርሓን ልኡላውነት ሃገር ክሕሉን እዩ” ዝብል እምነት ዘተነብረሉ፡ ብግብሪ ግና ብኣንጻሩ ዕሉል ገዛእን ጠላምን ኮይኑ ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ካብዚ ተሓታትነት ንምርሓቕን ንምሕባእን፡ ነቲ በደሉ ናብ ካለኦት ንምልጋብ ወትሩ ዘይፍንቅሎ እምንን ዘይምህዞ ጠባሪ ምኽንያትን የለን።
ካብቲ እቲ ጉጅለ መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና ንዘይምምላስ ዘቕርቦ ምስምሳት፡ ነቲ ናቱ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ዝፈጠሮ ጸገማት “ካብ ገዛእትና ዝወረስናዮ፡ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመና ወራራት፡ ዓለም ዘርያትና፡ ዘይህዱእ ዞባዊ ሃዋህው ……ወዘተ“ እንዳበለ ካብቲ ክዉንን ርኡይን ሓቂ ክሃድም ይፍትን። እዞም ኢሳይስ ንምስምስ ዘቕርቦም መህደሚ ዛዕባታት፡ ፈጺሞም ጽልዋ ኣይነበሮምን ማለትኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ቀንድን መሰረታውን ጠንቂ ጸገም ሃገርና ግና ባዕሉ እቲ ጉጅለን ዘየናሕሲ ጨካን ኣተሓሳስባኡን ምዃኑ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይውልውል ተገንዚብዎ ዘሎ እዩ። ነዚ ምስምሳቱ ምኽኑይ ኣምሲሉ ንምቕራብ ዝጥቀሞ፡ ሎሚ ግና ዝኣረገ ሜላኡ፡ በብኹርናዑ ግዜ እንዳሓለወ ውግኣት ብምጽሕታርን ዕግርግር ፈጢርካ ጸላእቲ ምዕዳምን እዩ። ነዚ ዝምልከት ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ዝርዝር ኣዕናዊ ተግባራቱ ከይኣተና፡ ነዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝሕንክሮ ዘሎ ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ።
እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመረ ናይቲ ጉጅለን መራሒኡን ወደኽደኽ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ መሰረቱን መንቀሊኡን ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይነበረን ከምዘይኮነን ደጋጊምና ክንገልጾ ዝጸናሕና እዩ። ምግላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እውን ነቲ ከነጠንቅቖ ዝጸናሕና ዘራጉድ እዩ። ዕላማኡ ኤርትራዊ ሃገራውን ህዝባውን ካብዘይኮነ፡ መናውሒ ዕድመ ስልጣንን መፍደይ ሕነን ናይቲ ጉጅለን መራሒኡን ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ እውን ግምታዊ ዘይኮነ እቲ ዲክታተር ብሓሳብን ብግብርን፡ ደጋጊሙ ብቃላቱ ክምስክሮ ዝጸንሐ እዩ።
እዚ ጉጅለ ኢሳያስ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ፡ ዘይትካላዊ መንገድን ዘይግሉጽ ኣገባብን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድና፡ ንህዝብና ካብ ጸገማት ዘየናግፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ተወሳኺ መዘዝ ዘምጽእ ከይከውን ስኽፍታ ብዙሓት ኤርትራውያን ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እነሆ ከኣ ህዝብና ካብቲ ዝፈረሖን ዝገመቶን ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ዝመንቀሊኡ ኣሻቓሊ ውግእ ዘሊሉ ተጠቢሱ ኣሎ። ናይዚ ዘሊልካ ናብዚ ውግእ ምእታዉ ምስጢር ከኣ፡ ህዝብና ኣብ ዘይሓሰቦ ፡ ዘይምልከቶን ዘይተጸበዮን ዋጋ ንክኸፍል ዘገድዶ እዩ። ናይዚ ጉጅለ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍካ ኣብቲ ሓደገኛ ውግእ ኢድ ምእታውን፡ ሎሚ ከዊልካ ዝኽወል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ብብዙሓት ተዓዘብትን ናይ ከባቢና ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኸታተልትን ዝተመስከረ ምዃኑ፡ ኣብዚ ውግእ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ እናተዋግኡ ዝተማረኹ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምቲ “ካብ እዝኒ ዝያዳ፡ ዓይኒ ትእመን” ዝበሃል፡ ንተሳትፎኦም ኣብ ዝምልከት ምስቲ መውጋእቶም ክምስክሩ እንከለዉ ብዙሓት ብዓይኖም ርእየምዎም እዮም።
እቲ ብዛዕባ ውግእን ሳዕቤን ውግእን ኣዝዩ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ናይ ጉረቤት ሃገር ጉዳይ “ካባይ ተመሃሩ” ኢሉ ዓራቓይን መገላጋላይን ክኸውን መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ንዓገብ ብሃልነትን ምትዕራቕን ኣይተዓደለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ክኸውን ተገዲዱ እነሆ። እዚ ውግእ ኣይኮነንዶ ኣካሉ ኮይኑ፡ ኢዱ እንተዘየእቱ እውን ኣብ ህዝብና ሳቕሎት ዘሕድር እዩ። ናብዚ ውግእዚ ኢድ ምእታው፡ ነቲ ካብዚ ዘለዎ ወጽዓ ናጻ ክወጽእ ሃንቀው ዝብልን ዝቃለስን ዘሎ ህዝብና ተወሳኺ መዓት ከም ዝጐተሉ ፍሉጥ እዩ። እንሆኳ ድሮ ብ15 ሕዳር 2020 ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ሚሳይላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ኣስመራ ወዲቑ ህዝቢ ክሽበር ሓዲሩ። ምናልባት እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ደብዳብ ሚስይላት ኣብ ልዕሊ ህይወት ዘውረዶ ጉድኣት የለን ይኸውን። እንተኾነ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋሲካ የለን” ዝበሃል ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክድርበ ናይ ዝኽእል ሚሳይላት ፍሉጥ ኣይኮነን። እቲ ማህሰይቲ በዚ ደብዳብ ከጋጥም ብዝኽእል ምፍራስ ህጽንጻታትን ሞት ሰባትን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ምስ መላምንቲ ሓዊ ጐረቤትና ህዝቢ ትግራይ ዘሕድሮ ጽልእን ዘኽትሎ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ስንብራትን እውን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ በቲ ብሰንኪ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝወረደ ደብዳብ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣጀንዳን መሻቐልን ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ሚዛን “ናይዚ ጉዳይ ጠንቅን ተሓታትን መንዩ?” ዝብል ቅድሚት ዝስራዕ ዛዕባ እዩ። ብመንጽርቲ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክምዕብል ዝጸንሐ፡ ሎሚ ድማ ናብ ደማዊ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ጸገም ተጐዝጒዙ ክመጾ ዝጸነሕ፡ ዳርጋ ናይ ኩሉ ህዝብና ርኢቶ “ናይዚ ተሓታቲ ኢሳያስን ዘይህዝባዊ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባኡን፡ ዘይውርዙይ ፖሊሲ ዝምድናኡ እዩ” ዝብል ክኸውን ተገማቲ እዩ።
ውሑዳት ኣሰነይቲ ጉጅለ ህግዲፍን ኢሳያስን ግና ከምቲ “ኣብ ክንዲ ውደን ዝሓምያስ፡ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል፡ ነጢሮም ናብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከላግብዎ ከም ዝፍትኑ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ፡ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል፡ ናይዚ ጠንቂ ናይቲ ጉጅለ ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየረብሕ ውግእ ኢድ ምእታዉ ምዃኑ ኣትሪርና ክንሕዞን ክንቃለሶን ዝገበኣና እዩ። መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ንመሬት ኤርትራ መጽዓንን መራገፍን ናብ ትግራይ ዝዘምቱ ወተሃደራት፡ ዕጥቆምን ስንቆምን፡ ኮታ መዋፈሪ ድሕሪ-ባይታ ውግእ ገይርዎ ዘሎ ኢሳያስ ስለ ዝኸፈተሉ እምበር ደፊኡ ኣይኮነን። ዜሩ ዘይሩ እዚ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት ምክልኻሉ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ተረኽቦ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ክንዲ ተዓሚቱ ደድሕሪ ምህዞን ሓሶትን ህግዲፍ ዝውሓዝ፡ ብውሕዱ “ናበይ?፡ ስለምንታይን? ንረብሓ መንን?” እትኩስ ኣለኹ ኢሉ ክሓስብን ክውስንን ክበቅዕ ይግበኦ።
ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝብን መንግስትን ቀዳማይ ሓላፍነት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ንሃገራዊ ዋኒንካ ቀዳምነት ምሃብ እዩ። እዚ ማለት ግና ገዛ ዓጺኻ በይንኻ ሃገር ተቐጽል፡ ተልምዕን ተህድእን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ንምውጻእ ከኣ ናይ ከባቢኻ ጽልዋ ኣብ ግምት ምእታው ውሕልነት እዩ። ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳይን ከባቢያዊ ጽልዋን እንተዘይተመዛዚኖም ግና ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። እምብዛ ኩሉ ግዜ በይነይ እንተበልካ፡ ናብ ተነጽሎን ጽምዋን ይወስደካ። ውሽጣዊ ጉዳይካ ራሕሪሕካ ናብ ደገ ጥራይ እንተመዓደኻ ከኣ ናብ ኢድ ኣእታውነትን ተጸባይነትን ይወስደካ።
እቲ ኣብ መንጎ ምዕማም ውሽጣዊ ጉዳይካን ምስ ከባቢኻ ምትሕብባርን ዘሎ ምጽልላው ንናይቶም ዝዛመዱ ወይ ዝጸላለዉ ወገናት ናይ ሓባር ተረባሕነት፡ ብመትከል ዝመራሐ ክኸውን እንከሎ ኣድማዕን መሰረት ሰላምን ቀጻልነትነን ይኸውን ። እዚ ሚዛንዚ ኣብ ዘይተመጣጠነሉ ግና ብኣንጻሩ ናብ ጐንጽን ምስሕሓብን ዝወስድ እዩ ዝኸውን። ከም ዲክታተር ኢሳይስ ዝኣመሰሉ ብኣተሓሳስባ ኮነ ብግብሪ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምምራሕ ዝፈሸሉ፡ ካብ ኢዶም ዘይሓወስሉ ከባቢያዊ ምዕባለ እዮም ዝጽበዩ። ብኮንትሮባንድን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከኣ ይምርሑ። ኣብቲ ምቁማቶም ካብኣቶም ዝሓሸ ንህዝብን ሃገርን ግቡእ ክብሪ ዝህብ ከባቢ ክርአ እንከሎ ከም ስዕረቶም ኮይኑ ስለ ዝስምዖም፡ እቲ ከባቢ ተዘሪኡ፡ እንተኾነ ካብታ ከመሓዳራዋ ዝግበኦም ሃገር እሞ ዘይበቕዕዋ ኤርትራ ዝሓመቐን ዝተሓመሰን ክኸውን ይጽዕሩ። እንተወሓደ ከኣ ከምኣቶም ግዜን ዕድልን ዘምከነ ከባቢ ክርእዩ ይጽዕሩ። እዚ ተግባራት ኢሳያስ ርኢኻ ምርግጋጽ ዝከኣል እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ ቀንዲ ዝጥቀምሉ እስትራተጅን ስልትን ህውከትን ውግእን ምፍጣርን ኣብኡ ኣቲኻ ምሕባእን እዩ። ብመንጽርዚ ኢሳያስ ኣይኮነንዶ ዝተኣጐደ ውግእ ረኺቡ፡ ውግእ ከሳውር ከይደቀሰ ዝሓድር ገበነኛ እዩ። እነሆ ከኣ በዚ ክጽበዮን ከሳውሮን ዝጸንሐ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣጒዱ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ሓዊ ተሓጒሱ ኣፍልቡ ይወቅዕ ኣሎ።
ኢሳያስ ብኣተሓሳስባ፡ ተዋሳኣይ ናይ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውግእ ምዃኑ ባዕሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክነግረና ስለ ዝጸንሐ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ዘጠራጥር የብልናን። ከምዚ ዝገብር ከኣ ዋላ ናይ ሓደ ካብዞም ዝዋግኡ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ኣካላት ረብሓን ዓወትን ኣገዲስዎ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ወጻኢ ክነብር ስለ ዘይክእል፡ ወልፉ ንምርዋይን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ጥራይ እዩ። እዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ህውከትን ውግእን ከይጠፍእ እሞ፡ ዝስሕነሉ ህውከተኛ መጋርያ ንከይስእን፡ ኢሳያስ ናብቲ መጋርያ ነዳዲ ካብ ምውሳኽ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ብመንጽርቲ ኢሳያስ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክመጾ ዝጸንሖ መንገዲ ተመርኲስካ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራን ዝካየድ ዘሎ መሪር ውግእ ብገለ ግንባራት ሰራዊት ኤርትራ ይሳተፍ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከም ሓቂ ምውሳዱ ዘጸገም ኣይኮነን።
ናይ ኢሳያስ ናብዚ ውግእዚ ምእታው ብኹሉ መልከዓቱ ክምዘን እንከሎ፡ ምስ ረብሓ ህዝብና ፈጺሙ ዝምድና የብሉን። ብኣንጻሩ ምስሊ ህዝብና ዝድውንን ንመጻኢ ወለዶና ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍን እዩ። ከምቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያትና ኣብ መንጎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ኣካይዳ ጉጅለ ኢሳያስን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ዘሎ፡ ኣብ ሕድሕድ ውግእ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታዉ እውን ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ኣዝዩ ዝተረሓሓቕ እዩ። እቲ ካልእ ቁምነገር ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ክሳብ ሕጂ ንጉጅለ ኢሳያስን ኣተሓሳስባኡን ተቓሊስና ኣይሰዓርናዮን። ኣብዚ ኢድ ኣእታውነት እውን ጌና ኢሳያስ መኒኻ? ዝብሎ ዘይብሉ ከም ድላዩ ይዕንድርን የዳምን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ውግእዚ ኢድ ምእታው ኣብቲ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ጸገም ካልእ ጸገም ዝውስኸሉ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ጸገም ዘውጽእን ውጽኢት ከምዘይህልዎ ርዱእ ስለ ዝኾነ። ንኢሳያስ ግና ኪኖቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘንውሓሉ እቲ ህውከተኛ ኣተሓሳስባኡ ይሰፍሓሉ ስለ ዘሎ መፍትኡ እዩ። ዕድመ እንተረኺቡ እሞ ጽባሕ ከምዚ ዓይነት ጓይላ ኣብ ካልእ ጐረቤትና ሃገር እንተተኣጒዱ እቲ ቀንዲ ዘኹድደሉ ንሱ እዩ ክኸውን።
ኢትዮጵያውያን መራሕቲ፡ ቅድም እውን ምስ ኢሳያስ ምትዕርራኾም ሳዕቤኑ ዋጋ ከም ዘኽፍሎምን ክጥንቅቐሉ ከም ዝግበኦምን ካብ ብዙሓት ወገናት ስምዕታ ክቐርበሎም ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ድማ ብመሰረቱ ውግእ መፍትሒ ከምዘይከውን ካብ ብዙሓት ኢዮትዮጵያውያን ወገናቶምን ሕብረተሰብ ዓለምን ኣንጻርዚ ምጽሕታር ውግእ ቀጻሊ ስምዕታ ይቐርበሎም ኣሎ። ሕሉፍሓሊፎም ኢሳያስ ናይዚ ውሽጣዊ ውግኦም ከም ናይ ሓሳብ ሓሳብ መቕረብን መዋፈሪ ሰራዊትን ምቕባሎም ክሳብ ክንደይ ናብ ዘይውዳእ ጸገም ከም ዝወስዶም ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ግዜ ሓልዩ ናብ ኤርትራ እውን ሰለይ ክብል እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ስኽፍታ እዩ። እዚ ስኽፍታ ናይ ውሱናት ተንተንቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስኽፍታ እውን እዩ። ኢሳያስ ግና ኣቐዲሙ ተጠሊዑ ኣብ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ሓቢእዎ ዝጸንሐ ናይ ጥልመት ጉልባቡ ቀሊዑ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውግእ ናይ ወራር መልክዕ ሒዙ ባሕሪ ርእዩ እንዳንበሃቘ ናብ ሃገርና ከይልሕም ዘሰክፍ የብሉን። ምናልባት እውን ነቲ ናይ “ሓደ ሃገርን ህዝብን ኢና” ሕልሙ ዘግህደሉ ዕድል ዝያዳ ከም ዝኸፍተሉ ኣጋጣሚ ይወስዶ ይኸውን።
ንሕና ክብሪ ሃገርናን ህዝብናን ዘገድሰና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራውያንከ ክሳብ መዓስ ኢና ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ብኣተሓሳስባ ኢሳያስ ክንሰዓር እንነብር። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ፡ ነቲ ሓዊ ዝኣጉዶ ዘሎ መን እዩ? ስለምንታይከ ተኣጒዱ? በዚ መጋርያ ዝነድድን ዝመውቕንከ መንእዩ? ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናንከ እንታይ ክመስልዩ? ዝብሉ ሕቶታት ከይመርመርካ ናብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዋናታቱ ዘለዉዎ ውግእ ዓይንኻ ኣዕሚትካ እትጥበስ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ክንዲ ነቲ ምስኻ ዘሎ ጠላም ኣወጊድካ ንብዓት ህዝብኻ እትሕብስ፡ ናብ ዘይምልከተካ ውግእ ንምእታው “ወጊድ” ክትብሎ ንምሕጸነካ ኣለና።
ንሓደ መንግስታዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ሃገርን ህዝብን እመርሕን አመሓድርን ኣለኹ ዝብል ኣካል መዚንካ ንክትድግፎ ወይ ንክትቃወሞ እቲ መዕቀኒ ዘቤታዊ ኣተሓሳስባኡን ብቕዓት ኣተገባብረኡን እዩ። ኤርትራውያን ንምምሕዳር ህግዲፍ እንመዝነሉ መዕቀኒ እውን በዚ መንጽር ዝረአ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ውልቃዊ ኮነ ጉጅላዊ ጽልኢ ወይ ኣብ ዝሓለፈ ዘየረዳድአ ተመኩሮ ናይ ምጽብጻብ ህርፋን ሃልዩና ኣይኮናን። ወይ እውን ከምቲ ንሱ ንከፋፊልካ ምግዛእ ዘዘውትሮ ብሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡ ወይ ብባህሉ ኣይኮናን ንዕቅኖ። መራሕቲ ሃገራት ኣብ ሃገሮም ተዓጽዮም ስለ ዘይነብሩ እቲ ምስ ወጻኢ ዝመርጽዎ ዝምድና እውን ኣብቲ መምዘኒ እንታይነቶም ኣይጽብጸብን ማለት ኣይኮነን።
እቲ ወሳኒ ዘቤታዊ ኮይኑ፡ እቲ ምስ ርሑቕ ኮነ ምስ ጐረባብቲ ዝግበር ዝምድና’ውን ምስቲ ዘቤታዊ ዝመጋገብ እምበር፡ ካብኡ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ጉዳይ ጐረቤት ከምቲ “ካብ ናይ ርሑቕ ዘመድ፡ ናይ ቀረባ ጐረቤት” ዝበሃል፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ብዙሓት ናይ ርሑቕን ጐረባብትን መንግስታት፡ ብሰንኪ ናይ ኢሳያስ ዘይጥዑይ፡ ውዲታውን ጽሉልን ኣካይዳ ከማርሩ ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ንጐረባብትና ዘማርር ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ካብቲ ንህዝብና ደም ዘንበዓሉ ጸይቂ ባህሪኡ፡ መሊኡ ዝፈስስ እምበር ብፍሉይ ነቶም መዛምድቱ ኢሉ ዘሕድሮ ባህሪ ኣይኮነን። ስለዚ ንህዝቡ ደም ዘንብዕ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣብ ጐረባብቲ በጺሑ በዓል ደሓን ይኸውን ማለት ዘበት እዩ።
ኢሳያስ ኣብ ኤርትራዊ ምምሕዳሩን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ዝተበላሸወ ምስሉ ብናይ ደገደገ ዘይተጸንዐን ኤርትራዊ ረብሓ ዘየማእከለን መገሻታት ከመላኽዖ እዩ ዝሃርፍ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክምልስ ዘይበቐዐ ክነሱ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ሎሚ ብዛዕባ 4-5 ሚሊዮን ህዝቢ ንሓስበሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዝያዳ 4 ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዞባና ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና” ዝበሎ፡ ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ናብ ደገ ናይ ምምዕዳዉ ኣብነት እዩ። እዚ ዞባዊ ዝበሎ፡ እሞ ናብ ጐንደር፡ ባህርዳር፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ጁባን መቃድሾን ኮለል ዝበለሉ ተበግሶኡ፡ ንዞባዊ ሓልዮት ዘይኮነ፡ መሕብኢ ካብ ምንዳይ ዝነቐለ ስለ ዝነበረ፡ በቶም ቀዳምነት ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘትክሉ መራሕቲ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዙሓት ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ዝፈልጡ መራሕቲ ሃገራት ብወገኖም ገጽ ከሊአምዎ እዮም። ቀንዲ ገጽ ዝኸልእሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ኤርትራ ዘየድመዐ ኣብ ዞባ ከድምዕ’የ ብዝብል ንዘይትግብሮ ፈንጣሕጣሕ ምባሉ እዩ።
እኩይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንርእሱ ምኽሪ ዘይሰምዕ ክነሱ፡ ናይ ካለኦት መኻሪ ኮይኑ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዝገርም ርዱእ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘስደምም ግና ንኩነታት ኤርትራ እንዳረአዩን እንዳሰምዑን ንምኽሪ ናይቲ ብናይ ንጹሃት ደም ዝተሓጽበ፡ ኢሳያስ እዝኒ ዝህብዎ ኣካላት ምርካቦም እዩ። ምናልባት ደኣ ኮንደኾን ሎምስ ናብ ልቡ ተመሊሱ ጽቡቕ ደኾን ይወጾ ኢሎም የጸግዕዎ ይኹኑ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ ብኢሳያስ ተመኺሩ ዓዲ ዝኣተወ ከምዘየለ ኣይጠፍኦምን እዩ። ብሰንኪ ናቱ ጽይቂ ምኽሪ ጉዳዮም ዝተበላሸዎም ምጥቃስ ግና ዘየጸግም ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና መበላሸዊ ኣሰሩ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምጥቃስ ይኣክል።
ምስዚ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ዝዛመዱ ኣካላት፡ ብፍላይ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንኤርትራዊ ኩነታትን ንናይ ኢሳያስ ዘይሰላማዊ፡ ዘይልምዓታውን ዘይዲሞክራስያውን ባህርያት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም። ነዚ እንዳረኣዩ ምስኡ ክተዓራረኹን ክዛመዱን እንከለዉ፡ እቲ በደል ንኢሳያስ ጠቕሊልካ ዝወሃብ ዘይኮነ ንሳቶም እውን እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ስለ ዝጽግዕዎ ካብ ተሓታትነት ናጻ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ እንዳረኣዩ ናይ ኢሳያስ ምስሊ ከተዓራርዩ ተቐበልቲ ጋሻ ንዝኾንዎ ዕድል ኣብ ዝረኽበሉ ክሓቶም እዩ።
ጥዑያት መራሕቲ ሃገራት፡ በቲ ዝገብርዎ ዝምድና ንህዝቦም ሰላሙን ልምዓቱን ዝድልብ ተወሳኺ ዓቕምን ሃናጺ ተመኩሮን እዮም ዘምጽእሉ። ኢሳያስ ግና ኣይኮነንዶ ናይ ወጻኢ ጠቓሚ ተመኩሮ ከምጽእ፡ ኣብ ዓዱ ‘ውን ዘንጸፎ ናይ ሰላምን ልምዓት ሽታ የብሉን። ብኣንጻሩ እቲ ካብ ደገ ዘምጸኦ ተመኩሮ ነቲ ናይ ህዝብና ሻቕሎትን ሕሰምን መሊሱ ዘጋድድን ናብ ጐንጽን ጽልእን ዝወስድን እዩ። ኢሳያስ ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣቢሉ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። ህዝብና ካብቲ ዝምድና በመንጽር ምዕቃብ ልኡላውነቱ ኮነ ብመንጽር ቁጠባዊ ጸገማቱ ዝኾነ ፍታሕ ዘምጽእ ጠቕሚ ኣይረኸበሉን። ብኣንጻሩ ዝያዳ ሰላሙ ዝዘርግ ውዲታትዩ ዝጐተሉ ዘሎ። ገለ ወገናት ኢሳያስ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ናብ ጐንጺ ዝዓረገ ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዕጥይጥይ ክብሉ ይረኣዩ።
ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ርትዓዊ ሚዛን ንምሓዝ፡ ነቲ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት፡ ባዕሉ ዲክታተር ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ንሕውሰሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ኣይኮነን”፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከኣ “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ እዩ” ዝበልዎ “ሕኸኸኒ ክሓከካ” ምዝካር ጥራይ ኣኻሊ’ዩ። ስለዚ ኢሳያስ ካብ ዘዝወፈሮ ንሃገርና ህውከት ክጐተላ ወጢኑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዝመልከት እዩ። ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም፡ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ንዓና እውን ኣየናሕስየልናን እዩ። ስለዚ ከምቲ ጥምረት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ4 ሕዳር 2020 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ “….. ሕጂ’ውን በዚ ሓደገኛ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ምቕጻሉ ዝያዳ ዕንወት ዝፈጥር እምበር ፍታሕ ዘየምጽእ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም ናብ ክልቲኦም ተዓወቲ ዝኾንሉ ዘተን ልዝብን ክምለሱ ፓሓኤ ይምሕጸን።” ኢሉ’ሎ። ንሕና’ውን መንገዲ ዘተን ሰላምን ክሕዙ ንመርጽ። ነዚ ንመርጽ ዘለና ነቶም ንክልቲኦም ኣብ ዘየርብሕ በሊሕ ጐንጺ ኣትዮም ዘለዉ ሓሊና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና’ውን ከምቲ “እንተ ክትድቅስ፡ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበልናዮ ናይቲ ሰላሞም ተጠቀምቲ ስለ ዝኾና ኢና።
መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ
Thursday, 05 November 2020 10:17 Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)
Saturday, 31 October 2020 23:49 Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ናጽነት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ተረኪብዎ። ህዝብና ነዚ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ዝተረከበ ኣካል፡ ካብ ወጽዓ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ፍትሓዊትን ርግእትን ሃገር “ከሰጋግረኒ እዩ” ዝብል ምሉእ እምነት ኣንቢሩ፡ ብሃንቀውታ ተጸብይዎ። ኣብ ምህናጽ ሓዳስ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ከወፊ ዝነበሮ ተወፋይነትን ቅሩብነትን እውን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ኣርእይዎ። ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ሓቦኛ ኤርትራዊ “ኣነ ንሃገረይ፡ ሕድሪ ሰማእታተይ ኣይጥለምን እዩ፡ ሰማእታትና ኣብ ዘለውኹምዎ ቅሰኑ” ዝብል ድልዉነቱን ተስፋኡን ሰማይ ዓሪጉ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ኣዝዩ ጸቢብ ጉጅለ ግና፡ ናይ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ባህታን ናእዳን እንዳርኣየ፡ ብግብሪ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮምን ዘለዎን ሕዱር ጽልኢ ዘመልክቱ ኣሉታዊ ተግባራት ክወስድ ጸኒሑ። “ባዕልና ዘምጻእናዮ ናጽነት ከም ድላይና ንዕንድረሉ” ዝብል፡ ትምክሕትን ጸቢብነትን ኣዕሪጉ ህዝብና ኣብ ሕድሕዱ ንከይተኣማመን “እሾኽ ዳንዴር” እንዳዘርአ ንህዝብና በብግዜኡ “ ጐንጺ የባልሑለይ እዮም” ዝበሎም ጸበብቲ ስምዒታት እንዳጐሃሃረ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ ዓራቓይ መሲሉ ክቐርብ ፈቲኑ። ካልእስ ይተረፍ ኣብ መንጐቲ ደምን ርሃጽን ከፊሉ፡ ኣብ ፈቐዶቲ ፍትሓዊ ውግኣት ጀጋንኡ ቀቢሩ ዝመጸ ሓርበኛን፡ ነቲ ቃልሲ ብሓበሬታ፡ ብስንቂ፡ ዕጥቅን ውላዱን ሓያል ጐድኒ ዝኾኑ ህዝብን ኣርሓሒቑ። እዞም ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ክዕወቱ ዘይክእሉ ህዝብን ተጋዳላይን “ተጋዳላይን ሲቪልን” ተበሃሂሎም ብጐቦ ዓይኒ ክረኣኣዩ ዝኣለሞ ተንኮል ሃስያኡ ቀሊል ኣይነበረን። ጌጋ መዓልቲ ውዒሎም ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምክፍፋል ዓዘቕቲ ጥሒሎም ዝነበሩ እሞ ሓደጋታቱ ተዓዚቦም ኣእዳዎም ዝኣከቡ ወገናት ሎሚ ዝምስክርዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ነቲ ላዕሊ ላዕሉ ክትሪኦ እንከለኻ ምቁር ዝመስል ኣጸዋውዓ ዋርሳይን ይከኣሎን’ውን ከም መተፋነኒ ተጠቒምሉ እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ኣብ ኤርትራዊ ወገናት ምትፍናን ዝፈጥረሉ፡ ምኽንያቱ ብሩህ እዩ። ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝብሃል፡ በዚ ኣሳቢቡ ናይቶም ዝፈርሖም ኣካላት ሕድሕድ ምጥምማት መዝሚዙ፡ ኣብቲ ጥልመት ዝወለዶ ኢደ ወነናዊ ስልጣን ንምቕጻል እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ኮይንካ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዘሕደሮ እምነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ተዓሽዩ እዩ” ዘየብል ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ከምኡ ዝገበረ ብርእዮ ግህዶ ክሳብዚ ሎሚ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና ክጥለምየ ዝብል ግምት ስለ ዘይነበሮ እዩ። ሓቁ እዩ ከኣ፡ ክሳብ ክንዲ ደቅኻ ገቢርካ ናብ መራሕ ሃገር ዘብጻሕካዮ ወገን ክሳብ ክንድዚ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ክጠልም’ዩ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ እቲ ጥልመት ኣብ ህግዲፍስ በቲ ዝኽፈአ መልክዑ ደኣ ተራእየ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ከንውሕ ዝወጠኖ ህዝቢ ሃዲኡ፡ ብጉዳዩ እሂንምሂን ዝበለሉ ኩነታት ንከይፍጠር ጽልኢ እንዳጻሕተርካ፡ ነቲ ጽልኢ ንህዝቢ ብዘሰክፍን “እምበኣር እቲ ናይ ውሽጥናስ ይጽነሓልና፡ ቅድም ናይ ግዳም ተጻብኦ ነዕግስ” ዝብል ናይ ምውንዛፍ መንፈስ ሓዲርዎ ደገደገ ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ በብታራ፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ደሓር ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ውግኣት ከኣ እዚ እዩ። ብሰንኪ ነዚ ውግኣት ምጽሕታሩ ክሳብ ሕጂ ነቲ ካብ ምንዳፍን ምጽዳቕን ሕገመንግስቲ ጀሚርካ፡ ክሳብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ምቛም ዝዝርጋሕ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዕማማት ኮነ ኢሉ ኣምኪንዎ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍቲ ጉጅለ ህግዲፍ ክውጥኖ ዝጸንሐ መዳህለሊ ውዲታት ክመሃርን ከምቲ ዝድለ ድምጹ ዘይተሰምዐ ሚዛናት ከንብርን ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻርዚ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ክፍንፍንዎ ዝግበኦም ጠላም ጉጅለ ከመላኽዑን ክነብረሎም ዝጽልዩን ሒደት ኤርትራውያን ኣይተሰእኑን። እዚ ከኣ “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተ ደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝብልን ዘተዓዛዝብን እዩ። እቲ ልማደኛ ጉጅለ ሕጂ እውን፡ ምናልባት ደኣ ምስ ግዜን ኩነታትን ሜላታት ይቕይር ኣሎ እምበር፡ ካብዚ ናይ ጥልመት ኣተሓሳስባ ኣይወጸን። ኣብዚ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንዓለምና ኣጻቢቡላ ዘሎ እዋን ክሳብ ክንደይ ብህዝብና ከምዘይተገደሰ ብተደጋጋሚ ክዒብናዮ ኢና። እነሆ ከኣ ስዒቡ ወራር ኣንበጣ ምስ መጸ እውን ተገዳስነቱ ኣብየናይ ደርጃ ኣሎ ንዕዘቦ ኣለና።
ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕልቲ፡ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ዘይትካእ ሓላፍነት ዘለዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝወሰዶ ናይ ምብታኑ ማእለማ ንፈልጦ ኢና። ኤርትራ ብሰንክዚ ማእለማ እዚ ክሳብ ክንደይ ሃገር ዝሕሉን ዝሃንጽን ናይ መንእሰይ ዓቕማ ማህሚኑ ከምዘሎን ብሰንክዚ ብዝሰዓበ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሃስያታት ኣሰኒኻ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። እነሆ’ኳ እዚ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ኣንበጠ “መኒኻ?” ዝብሎ መንእሰይ ዘይብሉ ነቲ ዝርካቡ ዘራእቲ የብርሶ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይቲ ጉጅለ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ግብጽን ሒደት ሃገራት ኣዕራብን ኮለል ክብል ተዓዚብናዮ። ኣብዚ ፈቐዶ ሃገራት ኮለሉ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ውዲታትን ኢድ ኣእታውነትን ክኣልም ካብ ምፍታን ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝምዕብለሉ ስኒት፡ ልምዓትን ወፍርን ኣብ ዝምልከት ዘትዩን ተሰማሚዑን ዝብል ብመርተዖ ዝተሰነየ ሓበሬታ የለን። ናይዚ መርኣያ እዩ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጠብሎቕሎቕ ዝብል ዘሎ። እዚ ዓቕሊ ጽበቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝህሰየሉን ዘይረብሓሉን ረጽሚ ናይ ምምዕባሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ከኣ ብዙሓት ናይዚ ዛዕባ ክኢላታት ተዓዘብቲ ይእምቱ ኣለዉ። ስለዚ ህዝብና ሎሚ’ውን “ደጊም ይኣክል” ሸብዳዕዳዕ ክብልን እንደጋና ከይዕሾን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮ። በዚ ኢሳያስ ዝኹዕቶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መትረብ ከይስጉም እሞ እንደጋና ከይዕሾን ከይግራህን ከኣ ንጽውዖ።