11 ነሓሰ 2021

ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናተስፋፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝሃደሙ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣብ ከተማ ደሴ ኣዕቊቦም ከም ዘለዉ ከንቲባ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድም ክብል ኣስታት 4500 ዝኾኑ ነበርቲ ካብ'ቲ ኲናት ይካየደሉ ዘሎ ከባብታት ሰሜን ወሎ ናብ ደሴ ኣትዮም ከም ዝጸንሑ ዘዘኻኸረ እቲ ከንቲባ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ብዙሓት ተመዛበልቲ ናብታ ከተማ ሃዲሞም ምምጸኦም ከንቲባ ኣበበ ገ/መስቀል ገሊጹ።
"ካብ ከባብታት መርሳ፣ ወልድያን ውርጌሳን ብዙሕ ሰብ እናመጽአ እዩ። ንሱ እናፈለና ናብ መዕረፊ ቦታ ንወስዶ ኣለና። ብዝሒ እቲ ተመዛባሊ ምፍላጥ ኣጸጋሚ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ናብታ ከተማ ኣትዩ" ኢሉ።
ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ወሎ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ሰባት ንድሕንነቶም ብምስጋእ ናብ ከተማ ደሴ ይኣትዉ ምህላዎም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ንድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንጸርሖ ሓደ መምህር፡ ምስ ሸውዓተ ኣባላት ስድርኡ ካብ ወልደያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደሴ ተዓቂቦም ከም ዝርከቡ ተዛሪቡ።
እቲ መምህር ከም ዝብሎ፡ ቅድም ክብል ስድርኡ ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ዘግዐዘ ኾይኑ፡ንሱ ድማ ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።
"ኲናት ፈሪሕና ኢና ሃዲምና መጺእና። ደሴ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ሰብ እያ ሒዛ ዘላ። ህዝቢ ወልድያ ተገልቢጡ ኣብ ደሴ እዩ ዓሪፉ ዘሎ ምባል ይከኣል" ብምባል ኣብታ ከተማ ብዙሕ ካብ ወልድያ ዝመጽአ ሰብ ከም ዘሎ ይዛረብ።
ምስ ውሑዳት ሰባት ካብ ወልድያ ተልዒሎም ክሳዕ ውጫሌ ብእግርን ብባጃጅን ምስ ተጉዓዙ፡ ካብ ውጫሌ ብሚኒባስ ተሳፊሮም ናብ ደሴ ምእታዎም እቲ መምህር ይዛረብ።
ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገ/መስቀል፡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ናብ ደሴ ዝኣቲ ዘሎ ብምዃኑ፡ ብሕቶ እቲ ህዝቢ ሰዓት እቶ እቶ ምእዋጁ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብቲ ምምሕዳር እታ ከተማ ፍቓድ ካብ ዝተዋህቦም ሓይልታት ወጻኢ፡ ካብ ምሸት ክልተ ሰዓት ጀሚሩ ዝኾነ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ ተባሂሉ።
ወሲኹ ድማ፡ ስርዓት ዘይብሎም ሰብ ተሽከርከርቲ [ባጃጅ] ገበናት ከይሰርሑ፡ ናይቶም ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ተገዲቡ ተባሂሉ።
እቲ ከንቲባ፡ እቲ ህዝቢ ኲናት ፈሪሑ እዩ ናብ ደሴ ዝመዛበል ዘሎ ምስ በለ፡ ንተመዛበልቲ ኣድላይ ድጋፍ ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጹ።
ወቕቲ ክረምቲ ብምዃኑን ትምህርቲ ዕጽው ስለ ዝኾነን ድማ፡ ተመዛበልቲ ኣብ ሽድሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዕሪፎም ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።
ድልውነት ምክልኻል ሓደጋ፣ ኣመራርሓ ሰሜን ወሎን ነባሪ እታ ከተማን ንተመዛበልቲ ድጋፍ ይገብር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።
ብደረጃ ቀበሌን ክፍለከተማን ኮሚቴ ተጣይሹ ነቶም ተመዛበልቲ ንምድጋፍ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ'ውን ከንቲባ ኣበበ ወሲኹ ተዛሪቡ።
Source=ኢትዮጵያ፡ ካብ ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ደሴ ኣትዮም - BBC News ትግርኛ
ቅልውላው ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሃገራዊ ጻውዒት ክተት ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ,REUTERS
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዩ ኣሕመድ፡ ኩሎም ዜጋታት ናብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክጽምበሩ ጸዊዑ፡፡
ንሱ ሎሚ ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ‘‘ኩለኹም ኣብቲ ሃገር ናይ ምክልኻል ወፍሪ ንምስታፍ ዕድመኹምን ዓቕምኹምን ዝፈቅድ ኢትዮያውያን፡ ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይልን ሚልሻን ብምእታው ሓለውቲ ሃገር ምዃንኩም እተርእዩሉ እዋን እዩ’’ ኢሉ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ኲናት ኣብ ካልኦት ክልላት ኣስፋሕፊሑ ይርከብ።
ሰራዊት ፌደራል ካብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምስሓቡ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ስምምዕ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝሓቱ ሓይልታት ትግራይ ግና ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክለዓልን ሓይልታ ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጹ ዝሓትትን ነጥቢ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነታት ብምቕማጥ ቃልሶም ቀጺሎም ንገለ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖጻጺሮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይሩ ዝነበረ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሓይልታቶም ናብ ጎረቤት ክልላት ዝደፍኡ፡ ነቲ መንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ናብ ክልሎም ከይኣቱ ዘንበሮ ክልከላ ንምስባር ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና እቲ ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ሓገዝ ከይኣቱን ሓረስቶት ከይሓርሱን ከልኪሎም ብምባል ከሲሱ፡፡
እቲ ተዓዋቲ ሰላም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንህወሐት ንምስዓር ኩሉ ህዝቢ ክኸትት ጸዊዑ ኣሎ፡፡
‘‘ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዓይንን እዝንን ሃገሩ ብምዃን ሰለልትን ተሓባበርትን ህወሓት ንምቅላዕ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብቕርበት ክሰርሕ ኣለዎ’’ ኢሉ፡፡
ውድብ ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ ኮይኑ፡ እቲ ውድብ ግና ሕጋዊ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሽሞም ዘይጠቐሶም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ‘‘ጁንታ’’ ክብል ዝገለጾ ኣካል ክሕግዙ ተረኺቦም ክብል ከሲሱ፡፡
‘‘መንግስቲ ንዝገብሮ ጻዕሪ ግቡእ ክብሪ ዘይምሃቦም ከይኣክል፡ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ጁንታ ዝሕግዝ ተግባር ክፍጽሙ ኢድ ብኢድ ዝተትሓዙ ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡
ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ትካል ሰብ ኣልቦ ሓካይም ደችን ኖርወይ ረፊውጂ ካውንስልን ዝርከቡዎም ሰለስተ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ፍቓድ ምስራዞም ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገበረ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍቲዝ ግና፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረድኤት ንሓይልታት ትግራይ ይድግፉ እዮም ምበሎም ሓደገኛ ምዃኑን መርተዖ እንተሃልዩዎም መረዳእታ ከቕርቡ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ተረኺቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከነታት ዘብቃዓሉ ፖሊሲ ሒዙ ምምጽኡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ብስራት ነይሩ። ኣብ ግብሪ ክውዕል ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ተጸብይዎ። እንተኾነ እዚ ናብ ሰላም መእተዊ ዝመስል ዝነበረ ትጽቢት፡ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ መተግበሪ ሕቡእ ኣጀንድኡ ኢሉ ከምዝተቐበሎ በቲ ኣብ 20 ሰነ 2018 “ገይም ኦቨር ወያነ” (ጸወታ ተውዲኡ) ዝበሎ ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ቁሩብ ከይጸንሐ ብብዙሓት ወገናት ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምዃኑ ዝተመዝነ፡ ኣብ ጠቕሚ ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል መንገዲ ሓዘ። ክሳብ ሎሚ ካብ ኣፍልጦ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸዊሉ ዝኸይድ ዘሎ ዘይቅዱስ ዝምድና ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውዕል ጋህዲ ኢዩ።
ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ንመራሒ ሃገር ዘይምጥን ንክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ፡ ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መግለጺታት ምሃብ ናተይ ኢሉ ተታሒዝዎ ጸኒሑ። እዚ ዝሓዞ መስደመም መንገዲ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት በቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ልኡላውነት ኤርትራ ምጥላዕን ምሕጫጭን ነይሩ። እዚ ጸረ ህዝብን ሃገርን ተግባር ናይቲ ዲክታተር ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ዘቖጠዐን ዘነደረን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ብምቅዋም ከኣ ኩሉ፡ ዋላ ካብ ሰዓብቲ ህግደፍ ዝነበሩ ደጊም “ይኣክል” ብዝብል ድምጺ ብናህሪ ተላዒሉ። ዓለምለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ከኣ ናይዚ ህዝባዊ ቁጠዐ መርኣያ እዩ።
ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ትሕቲ ሓደ ጭረሖ ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ዓለም እዩ ተላዒሉ። ኣብዚ ጉዕዘኡ ዋላ ዓበይቲ ብድሆታት እንተገጠምዎ ካብ ዝሓለፉ ተመኩሮታት ተማሂሩ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ውደብኡ ቀጻሊ ንክኸውን ጽዒሩ። ኣበየክፍላተ ዓለሙ ተበታቲንካ ምድማዕ ከምዘይከኣል ተገንዚቡ፡ ዓቕሙ ናብ ሓደ ጥርናፈ ንምምጻእ ኣዝዩ በዳሂ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ። እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ 11 ሃገራት ዝርከቡ ጨናፍሩ ዝተሳተፍዎ "ሳቮያ ንድሕነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ መስራቲ ጉባአኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ጉባአኡ ዝምረሓሉ ሰነዳት ከጽድቕን መሪሕነቱ ክመርጽን ምኽኣሉ ንሓደ ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከጋጥም ዝጸንሐ ተኸኣኢልካ ብሓባር ክትቃለስ ናይ ዘይምብቃዕ ብደሆ ክሰግሮ በቒዑ ዘብል እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ዮሃና ንብሎ፣
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ዝዓሞ ዘሎ፡ ምስ ዕማማቱ ዘሳኒ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ካብ መጀመርታኡ ደጊፍዎን ኣተባቢዕዎን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ኣባላቱ ምስ ፖለቲካዊ መትከላቱ ኣብ ዘይጻረር ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ክዋስኡ ዘፍቅድ ብምዃኑ ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኣካላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ክሳተፉ ጸኒሖም እዮም። ብመንጽርዚ እቲ ናብ መስራቲ ጉባአ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ናይ ምብጻሕ ዓወት ከም ናይ ኩላትና ጌርና ንቖጽሮ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንሓያለ ብድሆታት ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ናይ ቃልሲ ባይታ መድሚዱ ኣብዚ ደረጃዚ ምብጻሑ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ቆላሕታ ሂቡ ከማልኦም ዝግበኦ ዝተረፍዎ ከምዘለዉ’ውን ኣዳዕዲዑ ይርደኦ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ንገዛእ ርእሱ ናብ ኣድማዒ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ደረጃ ክድይብ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓደ ዝሰርሕሉ ኩነታት ንምፍጣር የካይድዎ ኣብ ዘለዉ ጻዕሪ ምሕጋዝ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዘለዉ ዕማማት ገይሩ ክወስድ ይግበኦ።
እዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ከባቢና ውዑይ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ክረኣየሉ ዝጸንሐ፡ ብማዕረኡ’ውን ክንዋሳእ ዝነበረና ብምኽኒያት ቀዛፊ ሕማም ኮቪድ-19 ብደረጃ ዓለም ምንቅስቓሳትናን ርክባትናን ዝዛሕተለሉ ናይ ጸገም ግዜ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ እዋን ኣይኮነንዶ ተረሓሒቕካ ብኣካል ተራኺብካ እውን ዘይከኣል ዝመስል በዲህካ፡ ብደረጃ ጉባአ ተመያይጥካን ትካላዊ ምልክዕ ሒዝካን መጻኢ መደባትካ ሓንጺጽካ ምውጻእ ዓብይ ግምት ዝወሃቦ ተግባር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ዘይከኣል ዝመስል ምትግባር ከም ዝከኣል’ውን ከም ኣብነት ዝውሰድ ተመኩሮ እዩ።
ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋስን ጽኑዕ ምትእምማን ዘይተጠርየሉን ኩነታት፡ ኣብ ህዱእን ጥጡሕን ሃላዋት እውን ፍጹምነት የለን። ምንቅስቓስ ይኣክል ብዓንዳ ርእሱ ኮነ መስራቲ ጉባአኡ ሕጽረት ክህልዎ ከም ዝኽእል ውሁብ እዩ። ብመሰረቱ’ውን ፍጹምነት ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር፡ ብሓንሳብ ዝጥረ ኣይኮነን። እቶም ካብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ወጻኢ ዘለዉ ኣካላት እውን ኣብ ክንዲ ንናእሽቱ ጉድለታት ምትዕብባይ፡ በቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣወንታታቱ ኣተባቢዖም ንዝህልዎ ጉድለታት ክምልእ ክሕግዝዎ ይግባእ።ይኣክል’ውን ካብኡ ወጻኢ ህዝባዊ ምንቅስቕሳት ምህላዎም ተረዲኡ ንዝያዳ ብቕዓትን ብዙሕነታዊ ኣሳታፍነትን ክሰርሕ ናይ ግድን ምዃኑ ተረዲኡ ክነጥፈሉ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ንይኣክል ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ንዝኾነ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝስጉም ኣካል፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ እናተባባዕካ ጉድለታቱ ከእርም ከኣ ምዝኽኻሩን ምሕጋዙን ከም ሃናጺ ተግባር ክውሰድ ዝግበኦ እዩ።
መስራቲ ጉባአ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከምቲ ኣብ ደምዳሚ ኣዋጁ ዘመልከቶ፡ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነታዊ ኣሳታፍነት፡ ኣድላይነት ህዝቢ ዝመሰረቱ ሰፊሕ ጥርናፈ፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራን፡ ንህግደፍ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሜዳ ምቅላዕን ምስዓርን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ስቓይን፡ ዝምድና ብሓፈሻ ምስ ጐረባብትና ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ውሳነታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ካብዚ ውሳነታቱ እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝወሃቦ ከኣ እቲ “ዘለናዮ መድረኽ፡ ናይ ህጹጽነትን ዕትበትን ዝጠልብ፡ ስለዝኾነ፡ ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል ኤርትራውያን ንኹሎም ተቓለስቲ ፖለቲካዉያን ውድባትን ሰብ-ብርክን ከም ናይ ቃልሲ መዛኑን መሻርክትን፡ ብናይ ስራሕ ውዕልን ምትሕብባርን፡ እናተመላላእና፡ ክንቃለስን፡ ንቕድሚት ብሓድነት ክንስጉምን ይጽውዕ።” ዝብል እዩ።
ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምዕዋት፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ናይ ዜና ማዕከናትን ክኢላታትን ሓይልታት ውሁድ ናይ ለውጢ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ቅድም ነናትና ዕዮ ገዛ ክንሰርሕን ክንውግንን ስለ ዝግበና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) እውን ነዚ ናይ ይኣክል ከም ተመኩሮ ወሲዱ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክድይብ ይግበኦ።
ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ ንክትበጽሕ ነዊሕን ኩርኳሕን መንገዲ ተጓዒዝና ኢና። እንተኾነ እቲ ጉዕዞ ሎሚ እውን መልክዑ ቀይሩ ቀጻሊ እምበር ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ብራኸ ኣይበጽሐን። እቲ ቅድሚ ሕጂ ብፍላይ ክሳብ ግዜ ናጽነትና ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ዕዉት እዩ ነይሩ። ዕዉት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ዘይከኣል ዝመስል ናይ ዝኸኣለ ጽኑዕ ህዝቢ ኣብነት ኮይና ዝተነኣጽናሉ’ውን ነይሩ። ናብዚ ናይ ምብቃዕና ምስጢር ከኣ ከምቲ ኩሉ ግዜ እንገልጾ ምስ ኩሉ ካብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጀሚርካ፡ ዝነበረና ፍልልያትን ሓጐጽጐጽን፡ ነቲ ዓቢይ ጉዳይ ሃገር ቀዳምነት ሂብና ስለ ዝተቓለስና ኢና።
ጉዕዞና ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓት ሒዝናዮ ዘለና፡ ጸረ ዘቤታዊ ወጽዓ ቃልሲ ግና ምስቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ክወዳደር እንከሎ፡ ካብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ንላዕሊ ዘገምታዊ እዩ። ዘገምታዊ ጥራይ ዘይኮነ ብብዙሓት ባዕልና እንፈጥሮም ደውታታት ዝተመልአ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ቃልስና ተበግሶ ወሲዱ ኣብ ክንዲ ዘጥቅዕ፡ ደድሕሪ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ወጻዒ ጉጅለ ኢሳያስ ዝፈጥሮ ተረኽቦታት ናይ ምስዓብ ኩነታት ዝረኣዮ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይዚ ነካይዶ ዘላና ቃልሲ ባህሪ፡ ብብዙሕ ኩርነዓት ክረአ እንከሎ፡ ካብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየድናዮ ዝፍለን ዝረቐቐን ምዃኑ ንተኣማመነሉ እዩ። ኩሉ ገዲፍና ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝካየድ ናይ ኣተሓሳስባ ቃልሲ ምዃኑ ጥራይ ዝተሓላለኸን ዝያዳ ጥንቃቐን ኣተኩሮን ዝሓትትን ይገብሮ።
ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጉዕዞ ናብ መሰረታዊ ለውጢ፡ በበይንና ተጓዒዝና ክንበጽሖ ከምዘይንኽእል ብክለሰ-ሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ንሓልፎ ዘለና እዩ። ኣብ ሓደ መድረኽ ውድባት ወይ ናይ ውድባት ልፍንቲ ሰንጢቖም ክሓልፉ ዝፈተንሉ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ሓደ ኣካል ካባኻ ዝሓሸ ኩነታት ፈጢሩ ክሓልፍ ንዝፍትን፡ ዋላኳ ውጽኢቱ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ምትብባዑን ንኣካይዳኡ ከም ኣብነት ምውሳድን “ምዕንቃፉ” ዝብል ሕማቕ ባህሊ ሳዕሪሩ ስለ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከም ምርጫ ዝተወስደ እምበር፡ ንኹልኻ ኣብ ዘማእክል ኣብ ውሱን ዛዕባታት ዘትከለ ሰፊሕ ናይ ቃልሲ ሰረጋላ ምስፋር እዩ። እቲ ውሱን ዛዕባታት “ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድን ህዝቢ ይኾነኒ ብዝበሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእን” ዝብል ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ነዚ እውን ስለ ዘይበቓዕናዮ፡ እቲ ብሓባር እምበር በበይንኻ ዘይክየድ ጉዕዞ ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንከሎ ጌና ንጠማመት ኣለና።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እቲ ጸገምና እንታይ ምዃኑ እንዳፈለጥናዮ፡ ካብኡ ክንወጽእ ዋጋ ክንከፍል ዘይምብቃዕና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ጸገማትና፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማመዓና ዝያዳ ከነህጥር እንጽዕር ነቲ ዝፈላልየና ከነተዓባብን ምርሕሓቕ ከነስፍሕን ህርድግ ንብል ምዃና እዩ። ከምቲ ግቡእ ኣይኮነንዶ ገዚፍ ዘሰማምዕ እንዳሃለወና ነቲ ዘፈላልየና ከነራጉድ ንጽዕር፡ እቲ ዘሰማመዓና ኣዝዩ ንኡስ እንተዝነብር’ውን ንዓኡ ከነጉልህ ክንጽዕር መተገበኣና። ዝያዳ ንምብራህ፡ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታ ከም ዘሎ፡ ናይ ሽግሩ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑን እቲ መዋጸኦ ከኣ ነዚ ጉጅለ ምውጋድ ምዃኑን ኣይኮነንዶ ንዓና ንሕብረተሰብ ዓለም እውን በሪሁ ዘሎ እዩ። “እቲ ኩነታት ከምዚ ካብ ኮነ ሓቢርና ህግደፍ ኣሊና ራህዋ ዘይነምጽእ?” ኢልካ ምስ ሓተትካ ኣብቲ መልሲ ዕንይንይ ይመጽእ። “ነዚ ክኸውን እንደልዮ ክንገብር ዘኽእል ዓቕሚኸ ኣለናዶ የብልናን?” ዝብል ሓሳብ’ውን ይኽተል። ናይዚ መልሲ ድማ “ዓቕምና ክንመዝን ክንበቅዕስ መዓስ’ሞ ነቲ ዝርካቡ ብግቡእ ተጠቒምናሉ” ዝብል እዩ ዝኸውን።
ሓቂ እዩ ኣይኮነንዶ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኮይና፡ ውልቀሰብ እውን ኣብ ቃልሲ ካብ ሃለወ መጻኢ ዘማዕዱ ፖለቲካዊ ሕሳብ ክህልዎ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይኮኑ’ሞ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ክኸውን’ዩ። ስለዚ ንሕናውን ነናትና ሕሳባት ኣለና። ኣብ መጻኢ እዚ ሕሳባትና ክዕወተልና ምድላይና ድማ ሓጥያት ኣይኮነን። እንተኾነ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ኣጣጢሖም ክሳብ ዘይረገጹ፡ ናይ ኩልና ሕሳባት “ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና” እዩ ዝኸውን። “ሰልፈይ ወይ ውድበይ ስልጣን ክሕዝ፡ ኣተሓሳስባይ ሕገመንግስታዊ ልዕልና ክረክብ፡ ባህለይን ቋንቋይን ክዕንብብ……..ወዘተ” ኢልካ ምሕላን ጸገም ኣይኮነን። እዚ “መዓስን ኣብ ከመይ ኩነታትን’ዩ ዝረጋገጽ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ዘይተመለሰሉ ምሕላኑ ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።
ካብዚ ዘለናዮ ደውታ መዋጸኦ ዝኾነና፡ ነቲ ኩሉ ግዜ፡ ንምድሮ፡ ንጭረሖ፡ ንኽትሞን ንእውጆን ምትግባር እምበር ካልእ ተኣምር ኣይኮነን። እተኾነ ነቲ ኣብ መንጎ ምባልን ኣብ ባይታ ምትግባርን ዘሎ ሃጓፍ ከነወግዶ’ኳ እንተዘይከኣልና ከነጻብቦ ግና ቅሩብነት እንተልዩና ዘይክኣል ኣይኮነን። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ንዝሓለፈን ሎሚ ዘየስርሕን ጉዳይ ንቕድሚት ዘይምምጻእ፡ ኣብ ክንዲ ውልቃዊ፡ ሰልፋውን ውድባውን ጸቢብ ስምዒታት ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ከነቐድም እንተ በቒዕና ዝከኣል’ዩ።
ሓደሓደ ግዜ ኣብ ዝረአን ዝድህሰስን ሓቂ ዝፈላለየሉ ዕንቅፋት’ውን ኣሎ። ንኣብነት ብዛዕባ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዉ፡ ክንዝቲ እንከለና፡ “እቲ ጉጅለ ናብ ትግራይ ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ መቐለ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ስለ ዝተደርበየ እዩ” ዝብሉ ብዙሓት እዮም። እቲ ካብ ቅድም ኢሳያስ ቀንዲ ተዋሰኣይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኮይኑ ዘዕገርግሮ ዝነበረ እሞ ይጽነሓልና፡ ቅድሚ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምድርባዩ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብወገን ሕሞራ ኣብቲ ውግእ ምእታዉ’ኳ ክንእመን ኣይንደልን። ካልእ መተዓዛዘቢ መጐተ ከኣ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣተወ፡ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ መሬት ንምምላስ እዩ” ክበሃል እውን ይስማዕ’ዩ። እዞም ከምዚ ዝብሉ ወገናት ኢሳያስ፡ ድሕሪ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምሽራኹ፡ ንጉዳይ ዶብ ኣዋዲቕዎ፡“እቶም ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ዶብ ዘልዕሉ እቶም ምስ ኢትዮጵያ ጀሚርናዮ ዘለና ምቅርራብ ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም። ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ።” ክብል እንከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ምስ ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓቲቱ “ኣዝዩ ንኡስ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኣየልዓልናዮን” ኢሉ ከም ዝመለሰ ኣይፈልጡ እዮም ማለት ድዩ?፡ ኮታ ህግደፍሲ ሃገር ከየጥፍእ እትሰግኦ እምበር፡ ዶብ ከምልስ እምነት እተንብረሉ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ኣብ ርኡይ ጉዳያት ምፍልላይ’ውን ነቲ ብሓባር እምበር በይንኻ ዘይብጻሕ ጉዕዞና ይሓላልኾ ከምዘሎ ይሰቆረና።
ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ 5 ግዱሳት፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ ኤርትራዊ ማእከል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቶም ነባራት ኣንበሳድራት ዳቪድሺን፡ ቪክ ጀይ ሃድለስቶን፡ ፓትሪክ ኤም ሃስላች፡ ኣውረሊያ ኢ ብራዚልን ቲልቦር ፒ ናጂን፡ ዝተባህሉ እዮም። እዞም ኣንበሳድራት ካብተን ንሓለፋ 25 ዓመታት ኣብተን 13 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘገልገሉ ኣንበሳድራት መግለጺ ከውጽኡ እንከለዉ ተበግሶኦምኳ ንኣፍሪቃ ብዝምልከት እንተነበረ፡ እንተኾነ ዝያዳ በቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ክግደሱ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም።
ንሳቶም ኣብቲ መግለጺኦም፡ “ንሕና እዞም ኣስማትና ዝተጠቕሰ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኤሜሪካዊ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ዝመራሕና፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክንከታተሎ ጸንሕና ኣለና” ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ከም ዝጀመረ ብምጥቃስ፡ እቲ ጸገም በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውጅዎ ዘሎ ተኹሲ ጠጠው ምባል ክውዳእ ዘለዎም ተስፋ ኣስፊሮም። ኣከታቲሎም ከኣ እዞም ዝስዕቡ መፍትሒ ዝበልዎም ንክትግበሩ ተማሕጺኖም።
- • ኩሎም ኣብ ውግእ ትግራይ ክሳተፉ ዝጸንሑ ኣካላት ነቲ ተኹሲ ተጠው ናይ ምባል ኣዋጅ ብዘይውልውል ክቕበልዎ።
- • ኩሎም ሰብኣዊ ትካላት ንጽጉማት ህጹጽ ሓገዝ ከየቕርቡ ዝዓግትዎም ምስሕሓባት ቀልጢፎም ክፍትሑ።
- • ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብቲ ናይ ጐንጺ ዞባ ቀልጢፎም ክወጹ።
- • ኩሎም ኣብቲ ጐንጺ ተሳተፍቲ ኣካላት፡ ነቲ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ዕድል ተጠቒሞም ብዛዕባ ቀጻሊ ሰላም ምውሓስን መጻኢ ዕድል ትግራይን ክመያየጡ።
- • ሰላምን ዕርቅንን ንክፍጠር ብዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብን፡ ተደራራቢ ሓላፍነት ካብ ዘለዎም ሲቪላዊ ትካላት፡ እንተላይ ብኣዕሩኽን ጐረባብትን ኣድላይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ክግበር። ሰላምን ምርግጋእን ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ቀልጢፍካ ኮንፈረንስ ወዲብካ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ናይ ሓባር መሊስካ፡ እግሪ ምትካልን በቲ ጸገም ዝተሃስዩ መዳያት ናብ ንቡር ምምላሶምን።
- • ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኮምሽንን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብ ትግራይ ብኹሎም ኣካላት ዝተፈጸመ ግህሰታትን ዓመጻት ብሓባር ናይ ምጽራይን ምምርማርን ዕማማት ንከካይዱ ምትብባዕ።