ጉባአ ይኣክል፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት

2021-08-07 09:24:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1135 times

ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ተረኺቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከነታት ዘብቃዓሉ ፖሊሲ ሒዙ ምምጽኡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ብስራት  ነይሩ። ኣብ ግብሪ ክውዕል ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ተጸብይዎ። እንተኾነ እዚ ናብ ሰላም መእተዊ ዝመስል ዝነበረ ትጽቢት፡ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ  መተግበሪ ሕቡእ ኣጀንድኡ ኢሉ ከምዝተቐበሎ በቲ ኣብ 20 ሰነ 2018 “ገይም ኦቨር ወያነ” (ጸወታ ተውዲኡ) ዝበሎ ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ቁሩብ ከይጸንሐ ብብዙሓት ወገናት ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ምዃኑ ዝተመዝነ፡ ኣብ ጠቕሚ ህዝብን ልዑላውነት ሃገርን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል መንገዲ ሓዘ። ክሳብ ሎሚ ካብ ኣፍልጦ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን   ተኸዊሉ ዝኸይድ ዘሎ ዘይቅዱስ ዝምድና ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ንጥቕሚ  ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውዕል ጋህዲ ኢዩ። 

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ንመራሒ ሃገር ዘይምጥን ንክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ፡ ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መግለጺታት ምሃብ ናተይ ኢሉ ተታሒዝዎ ጸኒሑ። እዚ  ዝሓዞ መስደመም መንገዲ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት በቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ልኡላውነት ኤርትራ ምጥላዕን ምሕጫጭን ነይሩ። እዚ ጸረ ህዝብን ሃገርን ተግባር ናይቲ ዲክታተር ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ዘቖጠዐን ዘነደረን ኢዩ ነይሩ። ነዚ ብምቅዋም ከኣ ኩሉ፡ ዋላ ካብ ሰዓብቲ ህግደፍ ዝነበሩ ደጊም “ይኣክል” ብዝብል ድምጺ ብናህሪ ተላዒሉ። ዓለምለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን ከኣ ናይዚ ህዝባዊ ቁጠዐ መርኣያ እዩ።

ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ትሕቲ ሓደ ጭረሖ ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ዓለም እዩ ተላዒሉ። ኣብዚ ጉዕዘኡ ዋላ ዓበይቲ ብድሆታት እንተገጠምዎ  ካብ ዝሓለፉ ተመኩሮታት ተማሂሩ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ውደብኡ ቀጻሊ ንክኸውን  ጽዒሩ። ኣበየክፍላተ ዓለሙ ተበታቲንካ ምድማዕ ከምዘይከኣል ተገንዚቡ፡ ዓቕሙ ናብ ሓደ ጥርናፈ ንምምጻእ ኣዝዩ በዳሂ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ። እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ 11 ሃገራት ዝርከቡ ጨናፍሩ ዝተሳተፍዎ  "ያ ንድሕነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ መስራቲ ጉባአኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ጉባአኡ  ዝምረሓሉ  ሰነዳት ከጽድቕን መሪሕነቱ ክመርጽን ምኽኣሉ ንሓደ ካብቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከጋጥም ዝጸንሐ ተኸኣኢልካ ብሓባር ክትቃለስ ናይ ዘይምብቃዕ ብደሆ ክሰግሮ በቒዑ  ዘብል እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ዮሃና ንብሎ፣

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ዝዓሞ ዘሎ፡ ምስ ዕማማቱ ዘሳኒ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ካብ መጀመርታኡ ደጊፍዎን ኣተባቢዕዎን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ኣባላቱ ምስ ፖለቲካዊ መትከላቱ  ኣብ ዘይጻረር ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ክዋስኡ ዘፍቅድ ብምዃኑ ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኣካላት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ክሳተፉ ጸኒሖም እዮም። ብመንጽርዚ እቲ ናብ መስራቲ ጉባአ ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ናይ ምብጻሕ ዓወት ከም ናይ ኩላትና ጌርና ንቖጽሮ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንሓያለ ብድሆታት ሰጊሩ፡ ንመጻኢ ናይ ቃልሲ ባይታ መድሚዱ ኣብዚ ደረጃዚ ምብጻሑ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ቆላሕታ ሂቡ ከማልኦም ዝግበኦ ዝተረፍዎ ከምዘለዉ’ውን ኣዳዕዲዑ ይርደኦ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ንገዛእ ርእሱ ናብ ኣድማዒ ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር ደረጃ ክድይብ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓደ ዝሰርሕሉ ኩነታት ንምፍጣር የካይድዎ ኣብ ዘለዉ ጻዕሪ ምሕጋዝ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዘለዉ ዕማማት ገይሩ ክወስድ ይግበኦ።

እዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ከባቢና ውዑይ ፖለቲካዊ ምቅይያራት  ክረኣየሉ ዝጸንሐ፡ ብማዕረኡ’ውን ክንዋሳእ ዝነበረና ብምኽኒያት ቀዛፊ ሕማም ኮቪድ-19 ብደረጃ ዓለም ምንቅስቓሳትናን ርክባትናን ዝዛሕተለሉ ናይ ጸገም ግዜ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ በዳሂ እዋን ኣይኮነንዶ ተረሓሒቕካ ብኣካል ተራኺብካ እውን ዘይከኣል ዝመስል በዲህካ፡  ብደረጃ ጉባአ  ተመያይጥካን ትካላዊ ምልክዕ ሒዝካን መጻኢ መደባትካ ሓንጺጽካ ምውጻእ ዓብይ ግምት ዝወሃቦ ተግባር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ዘይከኣል ዝመስል ምትግባር ከም ዝከኣል’ውን ከም ኣብነት ዝውሰድ ተመኩሮ እዩ።

ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ተሃዋስን ጽኑዕ ምትእምማን ዘይተጠርየሉን ኩነታት፡ ኣብ ህዱእን ጥጡሕን ሃላዋት እውን ፍጹምነት የለን። ምንቅስቓስ ይኣክል ብዓንዳ ርእሱ ኮነ  መስራቲ ጉባአኡ ሕጽረት ክህልዎ ከም ዝኽእል ውሁብ እዩ። ብመሰረቱ’ውን ፍጹምነት ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር፡ ብሓንሳብ ዝጥረ ኣይኮነን። እቶም ካብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ወጻኢ ዘለዉ ኣካላት እውን ኣብ ክንዲ ንናእሽቱ ጉድለታት ምትዕብባይ፡ በቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣወንታታቱ ኣተባቢዖም ንዝህልዎ ጉድለታት ክምልእ ክሕግዝዎ ይግባእ።ይኣክል’ውን ካብኡ ወጻኢ ህዝባዊ ምንቅስቕሳት ምህላዎም ተረዲኡ ንዝያዳ ብቕዓትን ብዙሕነታዊ ኣሳታፍነትን ክሰርሕ ናይ ግድን ምዃኑ ተረዲኡ ክነጥፈሉ’ዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ንይኣክል ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ንዝኾነ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝስጉም ኣካል፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ እናተባባዕካ ጉድለታቱ ከእርም ከኣ ምዝኽኻሩን ምሕጋዙን ከም ሃናጺ ተግባር ክውሰድ ዝግበኦ እዩ።

መስራቲ ጉባአ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከምቲ ኣብ ደምዳሚ ኣዋጁ ዘመልከቶ፡ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነታዊ ኣሳታፍነት፡ ኣድላይነት ህዝቢ ዝመሰረቱ ሰፊሕ ጥርናፈ፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራን፡ ንህግደፍ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሜዳ ምቅላዕን ምስዓርን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ስቓይን፡ ዝምድና ብሓፈሻ ምስ ጐረባብትና ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ውሳነታት ኣሕሊፉ  ኣሎ። ካብዚ ውሳነታቱ እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝወሃቦ ከኣ እቲ “ዘለናዮ መድረኽ፡ ናይ ህጹጽነትን ዕትበትን ዝጠልብ፡ ስለዝኾነ፡  ዓለም-ለኻዊ ምንቕስቃስ ይኣክል  ኤርትራውያን  ንኹሎም ተቓለስቲ  ፖለቲካዉያን ውድባትን ሰብ-ብርክን ከም ናይ ቃልሲ  መዛኑን መሻርክትን፡ ብናይ ስራሕ ውዕልን ምትሕብባርን፡ እናተመላላእና፡ ክንቃለስን፡ ንቕድሚት ብሓድነት ክንስጉምን ይጽውዕ።”  ዝብል እዩ።

ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምዕዋት፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ናይ ዜና ማዕከናትን ክኢላታትን ሓይልታት ውሁድ ናይ ለውጢ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ቅድም ነናትና ዕዮ ገዛ ክንሰርሕን ክንውግንን ስለ ዝግበና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) እውን ነዚ ናይ ይኣክል ከም ተመኩሮ ወሲዱ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክድይብ  ይግበኦ።

Last modified on Saturday, 07 August 2021 11:31