ኤርትራ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ቅድሚ 30 ዓመታት ናጽነታ ኣረጋጊጻ። ነዚ ናጽነታ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ሕጋዊ መልክዕ ንምልባስ ከኣ ህዝባ ብናይ “እወ ንናጽነት፡ ኣይፋል ንባርነት” ድምጹ ዳግማይ ልኡላውነታ ኣረጋጊጹ። ድሕሪዚ ናይ ኤርትራ ሃገርነትን ናይ ህዝባ ክብርን ንድሕሪት ከይምለስ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ስግኣት ኣይነበረን። እቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ኢሳያስ ዝጠለሞ ቃልሲ ናይ ምምላስ “ልኡላዊት ኤርትራ ብኸመይ ትመሓድርን ትምዕብልን?” ዝብል’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ መወዳእታ ሸቶ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ብምውሓስ ጥራይ ዝድምደም ዘይኮነስ፡ ክሳብ እታ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ሰላማዊትን እትኸውን ቀጻሊ ስለ ዝኾነ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሱ፡ ጉዳይ ምህላው ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘጠራጥሮ ኣይነበረን። ንጉጅለ ኢሳያስ እውን ካብ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ህዝቢ ምግፋፍ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ካብ ምግዛእ፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽ ካብ ምንፋግ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዘቤታዊ ዛዕባ ካብ ዘይምግዳስ ሓሊፉ፡ ነቲ ብመስዋእትነት ዝተነድቀን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝትርጉሙን ልኡላውነት ኤርትራ ክጠልም እዩ ዝብል ስኽፍታ ኣይነበሮን። እቲ ህዝብና “ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ” ዝበሎ መደምደምታ ግና ብፍላይ ድሕሪ 2018 ከስገኦ ጀሚሩ። ናይ ስግኣቱ ምንጪ ከኣ እቲ ብወግዒ ብዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተጋህደ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ዝተጋህደ ወልደፍደፍ እዩ። “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዮም፡ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ መዋእል ዝኸሰርናዮ ግዜ እዩ፡ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ…….ወዘተ” ዝብሎ ኣበሃህላታት ካብቶም ኣብ ህዝብና ስንባደን ስግኣትን ዘሕደሩ ናይ ጥልመት ምልክታት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣበሃህላታት መራሒ ህግደፍ ካብ ምስንባድ ሓሊፉ፡ ሎሚ እውን ከም ሃገርን ህዝብን “ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንግዲ ኢና ዘለና” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ሃለዋት ኣትዩ ኣሎ።
ድሕሪ ኩሉቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ክቡር ዋጋ ምኽፋል እንደጋና ከም ሃገር ናብ ምህላውን ዘይምህላውን ስግኣት ምምላስ፡ ዝጽበየና ዘሎ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ዝተደራረበን ምዃኑ ዘርእየና እዩ። እንተኾነ ሎሚ እውን ከምቲ ቅድም ናይ ብዙሓት ትጽቢት ዘይነበረ ህዝባዊ ዓወት ምርግጋጽ ናጽነት ክገሃድ ዝኸኣለ፡ እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንገዲ’ውን ብቐጻሊ ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ክረጋገጽ ከም ዝኾነ እሙን እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግና ቀዳምነታት ሰሪዕና፡ ፍልልያትና ኣማሓዲርና ብሓላፍነታዊ እሂንምሂን እሞ ድማ ብሓባር ክንስጉም እንተበቒዕና ጥራይ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና።
እቲ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብታ ልኡላውነታ ኣውሒሳ ክነሳ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እትብህግ ሃገር ምህናጽ እውን ወሳኒ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ክንዲ ትጽቢት ህዝብና ዘይምዕዋትናን መፍቶ ጉጅለ ኢሳያስ ናይ ምዃናን ምስጢር ከኣ ንሕና እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ንቕድሚት ክንደፍእ ዘይምኽኣልና እዩ። ሎሚ ኣብቲ ድርብ ከም ሃገር ናይ ምህላውን ነታ ህልውቲ ሃገር ናይ ምህናጽን ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና ከኣ፡ ናይቲ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ምስላፍ ኣድላይት መሊሱ እዩ ዝዓዝዝ።
ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ እዋንዚ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ሓደገኛን መሊሱ ከይሰፍሕ ዘስግእ ዘሎን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከባብና ኮይኑ፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ብመንጽር ናይ ኤርትራ ምህላውን ዘይምህላውን ንስግኣትና ስግኣት ዝውስኸሉ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ናይቲ ኣብ በበይኑ ኢትዮጵያዊ መድረኻት ክድሕድሖ ዝጸንሐ ናይ “ምስኹም ኢና” መብጸዓኡ መቐጸልታ እዩ። ስለዚ እዚ ኩነታት ኤርትራዊ ህልውናና ምእንቲ ምእንቲ ንድሕሪት ከይምለስ ብኸመይ ከም እንቃለስ ክንሓስብን ክንቀራረብን እዩ ዘዘኻኽረና እምበር፡ ከሰንብደና ኣይግባእን። ኢሳያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ስቕ ኢልና እንዕዘቦ ኣይኮነን” ክብል ሰሚዕናዮ ከነብቅዕ፡ ሎሚ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናብ ኣብ ውግእ ምስታፍ ስለ ዝማዕበለ፡ ከም ሃንደበት ክቅበሎ ኣይግባእን። እዚ ሎሚ ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ በዓል ኢሳያስ ዝኣጓጐድዎ ባርዕ፡ ንኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ኣንዲዱ ንኤርትራ ክምሕራ እዩ ኢልና ክንግምትን ነብስና ከነደዓዕስን ኣይግበናን። ኤርትራ ካብዚ ባርዕ ክትድሕን እንታይ ከነበርክት ንኽእል ኣብ ዝብል ከነድህብ ግና ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ዕዉታት ኮይና ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ከኣ ሕጂ እውን ብዘይካ ብሓባር ምስጓምን ኩሉ ዓቕምና ምውህሃድን ካልእ መዋጸኦ መንገዲ የብልናን።
ጉጅለ ህግዲፍ ካብዚ ከባብያዊ ዕግርግር ዝጽበዮ፡ ከምቲ ኩልና እንርደኦ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሕነ ምፍዳይ ቀዳምነቱ እዩ። እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ግና ህዝቢ ትግራይ’ውን እዩ። ነቲ ኢድ ኣእታውነት “ካብ ናይ ተነጽሎን ጽምዋን ስግኣት ከውጸኣኒ እዩ” ኢሉ ከም ዝሓስብ እውን ርዱእ እዩ። እቲ ዝጽበዮ ትንፋስ ሰዂዕካ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ቀጥታዊ ኣብ ዘይኮነ ኣጀንዳ ኣእትዩ የኽፍሎ ብዘሎ ክቡር ዋጋ ዝረጋገጽ እዩ ዝመስሎ። ብኣንጻሩ ንሕና እቶም ምቕጻል ዕድመ ናይቲ ጉጅለ ምረት ናይ ህዝብና ዘጋድድ ምዃኑ እንርዳእን ሃገርናን ህዝብናን ካብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንገዲ ክትወጽእ እንቃለስን ቅድሚ ኩሉ ብሓባር ነቲ ኢድ ኣእታውነት ናይቲ ጉጅለ ብዘይ ዕጻይምጻጻይ ከነወግዞ ይግበኣና። ኣብ ርእሲኡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ እቲ ጉጅለ ዶብ ሰጊሩ ናይ ዝኣጉዶ መጋርያ ውግእ ግዳይ ከይኮኑ ድምጹ ከስምዕ ብስሙር ቃል ንጸውዓዮን ኣብ ጐድኑ ንሰለፍን። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ርእስቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ውህሉል ገበኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ክቐጽዖ ብሓደ ድምጺ ደጋጊምና ክንጽውዖ እዋኑ።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኢሳያስን ውሑዳት መዳኽርቱን ገዲፍካ፡ ባህግናን ክንበጽሖ እንሕልኖ ሸቶን ሓደ እዩ። እንተኾነ ሸቶና ሓደ ክነሱ ናብኡ ንምብጻሕ እንመርጾ ኣሰላልፋ፡ ፖሊሲን ሜላን ይፈላለ ኣሎ። እቲ ኣብ ሓደ ሸቶ ንክንበጽሕ ዝተፈላለየ ኣገባብን ኣሰላልፋን ምሓዝና ነጽብራቕ ናይ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነትናን እምነ-ኩርናዕ ንምዕቃብ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ስለ ዝኾነ፡ ጸጋ እምበር መርገም ኣይመኾነን። መርገም ዝኸውን እቲ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ዘመልክዓልና ዘኽፈኣልናን ናብ ዘየድሊ ዋጢጥ ዝወስደናን ክኸውን እንከሎ እዩ።
ኤርትራዊ ውድብ ይኹን ሰልፊ፡ ወይ እውን ካልእ ንለውጢ ዝተሰለፈ ህዝባዊ ዓቕሚ፡ በበይንና ክንወፍር እንከለና ሓይልናን ኣድማዕነትናን ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። እዚ ምጉዳልዚ ከኣ ናብቲ እንደልዮ ከይንበጽሕ ቀንዲ ዓንቃጺ እዩ። ብኣንጻሩ ሽቶና ሓደ፡ ንሱ ከኣ ወጽዓ ኣወጊድካ ራህዋ ምስፋን ስለ ዝኾነ፡ ናብኡ ዘብጸሓና ዓቕሚ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክንድልብ ክንበቅዕ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ብናይ ሓደ ውድብ ባህግን ጽቡቕ ድሌትን ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ብእኩብ ድምር ናይ ኩልና ዓቕምን ንሕባራዊ ስራሕ ቅሩብነትን ዝረጋገጽ እዩ። ከምቲ “ብልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን” ዝበሃል፡ እንተደኣ ነቲ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ሸቶ ብልቢ “ንህዝብና ናብ ራህዋ ዘብጽሕ እዩ” ኢልና ኣሚናሉ፡ እቲ ዘዕውት መንገዲ ካብ ኢድና ወጻኢ ኣይኮነን። ንሱ ከኣ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢርካ ብምቅላስ ዝረጋገጽ እዩ። ኣይኮነንዶ ናትና፡ ናይ ካልእ ንሕና ኣብ ዘይንዓሞ ዝሕግዘና ዓቕሚ ኣብ ንጽበየሉን ንጽወዓሉን ዘለና እዋን፡ ናትና ብሓባር ተሰሊፍካ ናይ ምስላፍ ዕዮ ገዛ እንተዘይተግቢርና ግና፡ ዘሕትተና እዩ።
ኣብ መሰረታዊ መዓርፎ ናይ ቃልስና ካብ ተሰማማዕና፡ በቲ ናብኡ ንምብጻሕ ንመርጾ መንገድታት ተረሓሒቕና ዓቕምናን ግዜናን ከነባኽን ኣይግበኣናን። ከም ኤርትራውያን ጉጅለ ህግደፍ ንምውጋድ ዝተሰለፍና ሓይልታት ለውጢ፡ ካብ ዝፈላልየና ዘሰማመዓና ከም ዝበዝሕ ርዱእ እዩ። ኣብ ኩሉ መድረኻትና ከኣ ነዚ ኢና እነንጸባርቕ። እቲ ጸገምና እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝዓበየ ዘሰማመዓና፡ ነቲ ዝነኣሰ ዝፈላልየና ስለ እነተዓባብዮ እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ዕንክሊል ክንወጽእ፡ ኣብ ክንዲ ተመዓዳዲና ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሚድያ ንተፋነን፡ ተቐራሪብካ ምድምማጽ ናይ ግድን ከድልየና እዩ። እንተዘይ ተደማሚጽና ግና ኣይኮነንዶ ብሓባር ተቓሊስና እንጻር ጉጅለ ህግደፍ ከነድምዕ፡ እቲ ዘየቀራርበና ምኽንያት እንታይ ምዃኑን ኣብ መነና ከምዘሎን፡ ብንጹር ምርዳእ እውን ክንጽግም ኢና። ከምኡ እንተኮይኑ ከኣ “መረሓሓቒኦም ዘይፈልጡ ግና ዘይራኸቡ” ክንከውን ኢና። ክንቀራረብ እንኽእልን ዝግበኣናን ክነስና፡ ጐጎበና ሒዝና ኣብ ክንዲ ምድርባይ ተቐራሪብካ ምድምማጽ እዩ እቲ ክንክተሎ ዝግበና መሰረታዊ መፍትሒ። እንተተቐራሪብና እሞ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን እነቐድም ሓላፍነታውያን እንተኮይና፡ ነቲ ክንርሓሓቕ እንከለና ክንዲ ጐቦ ኮይኑ ዝረኣየና ፍልልይ፡ ብሕድገትን ምክኣልን ተሰኒና ነወግዶ እሞ፡ ሓደ ኮይና ንምርሽ። ነዚ እንተዘይበቓዕና ከኣ ብውሑዱ መፈላለዪ ኣውሒድናን መሰማምዒ ኣብዚሕናን ኣንጻርቲ መርዛም ጉጅለ ህግደፍ ክንቃለስ ንኽእለሉ ኩነታት ምፍጣር መኸኣልና። እዚ ግና ፈቲና ጸሊእና ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን፡ ንምክእኣል፡ ሕድገትን ንቕድሚት ምምዕዳውን ግቡእ ቦታ ክንህብ እንተበቒዕና ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።
ካብቲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት እንጠቕሶ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ቀጻሊ በደል፡ “ግዜ የብልናን” ዝብል እዩ። እዚ ማለት እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ንክንገብሮ መሰረታዊ ዘይኮነ መህደሚ መንገድታት ብምኽታል፡ ዘይምኽኑይ ግዜ ኣይንብላዕ ማለት እዩ። ክንድታ ዘይተደላይ ግዜ ዘባኸናያ ናይ ህዝብና ሕሰምን መከራን ከኣ ይዛይድ። ሎሚ ከኣ እነሆ ብሰንኪ ዞባዊ ዘይርጉእነት፡ እቲ ህጹጽነት ምውሓስ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝያዳ ዓሪጉ። ንሕና ከኣ ካብቲ ዝጸንሐ ንቡር ኣካይዳና ብዝተዓጻጸፈ ክንስጉም ይግበኣና። ናይ ክሳብ ሕጂ ኣካይድና ብፍላይ ድልዱል ናይ ሓባር መቃለሲ ድልዱል መድረኽ ኣብ ምውናን፡ በቲ ንቡር ቅልጣፈ እውን ንስጉም የለናን።
ከምቲ ለባማት “እቲ ንወዲ ሰብ ዝተዋህቦ ግዜ ውሱን ስለ ዝኾነ ንጽልኢ ዘይኮነስ ንፍቕሪ ከውዕሎ ይግባእ” ዝብልዎ፡ ጉልበትናን ግዜናን ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘየርብሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተመሊሱ ኣብ ዘኽስር ከነውዕሎ ኣይግበኣናን። እቲ “ተመኩሮ፡ ምመህር እዩ“ ዝበሃል፡ ክስወጠና ይግበኦ። ነዚ ዘይምብቃዕ ሳዕቤኑን ክሳራኡን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ እንመሃረሉ ብዙሕ ናትና ኮነ ናይ ካልኦት በዚ ሎሚ ንኸዶ ዘለና ዝሓለፉ ተመኩሮታት ኣለና።
ጨንፈር ቁጽሪ 1 ካብ ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ሽወደን፣ ብዕለት 02 ጥሪ ፈላሚ ኣኼባኡ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2021 ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብዘመናዊ መራካቢ ዝተሰላሰለ ክኸውን ከሎ ዳርጋ መላእ ኣባላት ጨንፈር ዝተሳተፍዎ ምንባሮምውን ተሓቢሩ።
ኣኼባ ካብዘልዐሎም ዛዕባታት!
- ሌላ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ጨንፈር
- ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን
- ዓመታዊ ግቡኣት ኣባላት ምርኣይ ዝብሉ ምንባሮምውን ተፈሊጡ።
ኣኼበና ብዝተሰርዑ ዛዕባታት መሰረት፡ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ምልላይን ምፍላጥን ቀጥታ ናብቲ ዝያዳ ኣሻቓልን ኣገዳስን ዝኮነ ህሉዊ ኩነታት ሃገርናን ዞናናን ዝብል ካላኣይ ነጥቢ ቅድሚ ምስጋር፡ :መጀመርያ ኣቦ ወንር ጨንፈር ብጻይ መድሃንየ እንቋዕ ናብዚ ኣኼባ ብሰላም መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ: ኣኼባና ካብቲ ክግበሮ ዝግብኦ ዝነበረ ዕለት ደንጉዩ ይካየድም ምህላዉ ንኹልና ርዱእ ኮይኑ፡ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት :ብሰሪ‘ቲ ዝተረኽበ ሓዱሽ ወረራ ናይ COVID-19 ን ብሰሪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሰልፊ ብልጽግናን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስን ,,,,,,,,,,ተደማሚሩ፡ ግዝየና ክበልዖን ኣድህቦና ናብኡ ከተኩርን ኪኢሉ እዩ:ክብል መእተዊ ቃል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቡ።
ድሕሪኡ ቀጥታ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናይ ዞናናን ሃገርናን ብምእታው ብፍላይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንኢድ ኣእታውነት ናይ ኢሳያስ ኣብቲ ዝጀመርዎ ናይ ሓባር ኲናት ምኽሓዱን: ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራትን ናይ ዜና ማዕከናትን ብዝተረኽበ ምንጪ ሓበሬታታት ከምዝተረጋገጸ ግን፡ ኣባላት ጨንፈር ብናይ ሓባር ምርድዳእን ዕግበትን ምብጽሖም ይፈለጥ። ብፍለይ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ብምንባሩ ብዛያዳ ነቲ ኩውንነት የህብቲሙዎ።
ኣኼባ ጨንፈረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ንዘቐመጦ ሚዛንን እውን ደጊፋ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት እቲ ንልእላውነት ሃገርና ተዋሒጡሉ ዘይፈልጥ ተረፍ መረፍ ናይ ዝሓለፋ መራሕቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ዓሳክሮምን፡ :ኣብ ውሽጢ ሃገርና የእትዩ ምስ ሰራዊት ኢሳያስ ኮዬኑ ንህዝቢ ትግራይ ይቐትልን ይዘምትን ህዝባዊ ትካላት የፍርስን ስለ ዘሎ፡ ንልእላውነትና ኣዝዩ ወይ ብዕምቆት ኣብ ምልክት ሕቶ የእቱ ብምህላዉ፣ ሰልፍና ኪንዮ‘ዚ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ሚዛን ክኸይድን ኩሉ ዓቕምታቱ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎን ኣኼበኛ ለበዉኡ ኣመሓላሊፋ።
እቲ ምስ ካልኦት ውድባትን ሰልፍታትን ብሓባር ክንሰርሕ እነካይዶ ዘሎና ጻዕርታት ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፡ ንእዋናዊ ጉዕዞ ቃልሲ ሰልፍና ከየዛሕትልን ግዜ ከይበልዕን ኣኼበኛ ስክፍታታቱ ኣስሚሩሉ እዩ::
ኣብ መወዳእታ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር: ዓመታዊ ግቡእ ኣባላት ሰልፊ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ :ዳርጋ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ናይ ዓመት ጉቡኡ ዘማልኤ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡ ፈላሚ ኣኼባ ጨንፈር በዚ ደምዲሙ ብሰላም ምፍልላይዩ ተረጋጊጹ።:
እነሆ “2020 ዓሚ፡ 2021 ድማ ሎሚ ዘበን” ኣብ እንብለሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “ሎሚ ዘበን” ኮይና፡ ኣለኹ እትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት “ዓሚ” እትበሃለሉ እውን ግዜኡ ሓልዩ ጽባሕ ደበኽ ክብል እዩ። ወዮ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ግዜ ጉዕዞ ቅልጣፈ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ዘይንስጉምን ከኣ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ኢና እንብል። ከም ሰባ ክንሳ “ሎሚ ዘበንስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ምባል እውን ልሙድ እዩ።
እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን እዩ። ዓምን ሎሚ ዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሕና ከኣ ምእንቲ ኣብ ሎሚ ዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ምልስ ኢልና ክንግምግሞ ይግበኣና። ንዓመታ ከም እትመጽእ እውን ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይቲ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ንምውጋድን ነቲ ኣውንታ ድማ ዝያዳ ንምሕያሉን እዩ።
ኣብታ ዝሓለፈት ድሮ ዓሚ ኮይና ዘላ 2020፡ ኤርትራና ከመይ ከም ዝሓለፈታ ኩልና ኤርትራውያን ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦም ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ “ ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ቀጻሊ እዩ። ከምዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ክጠጥቕ’ዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን። እንተኾነ ኮይኑስ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝተወግኡን ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ርሑቕ ከይከድና ከካብ መቕርብና ንዕዘቦ ኣለና። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይተሳተፈን” ክብሉ ጀሚሮም ዝነበሩ ሎሚ ብመርትዖታት መህደሚ ብዘይርከቦ መጻወዲያ ሓቂ ተታሒዞም እዮም።
ኣብቲ ውግእ ምስታፍ ጥራይ ኣይኮነን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሲቪላዊ ቅትለትን ንብረቱ ምርሳይን ተሳቲፉ ዝብል፡ ነቶም ራሰይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍር ስማዕ እዩ። እዚ ጉዳይዚ ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ዝዝረበሉ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዝምታ ንብረት ሲቪላውያን ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ከይድገም ከነወግዞን ክንመሃረሉን ዝግበኣና ጽዩፍ ተግባራት ሓደ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ምምርሳሕ ምኽኑይ ንምግባር ዝሓለፈ ጌጋታት ምጽብጻብ ውሕሉል ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ኣብ ሓደ ነጥቢ ጠጠው ክብልን ክውገዝን ይግበኦ። ምጽብጻብ እንተቀጺሉ ግና “ገበረኒያ ክገብርሲ ዓዲ ነየጋብር” ከም ዝበሃል ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ዘየስግእ ኣይኮነን።
ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። 2021 ካብ 2020 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣባጓይላኡ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነብሱ ዝኸኣለ ግድል እዩ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናንን ኣብዚ ናይቲ ጉጅለ ውጥምቅልቅል ምባልን እውን ንህዝብናን ሃገርናን ስግኣትን ሻቕሎትን እምበር ብስራትን ተስፋን ኣይኮነን።
ኣብቲ ቀንዲ ኣጀንዳና ዘይኮነ፡ ግና ዝጸልወና ውሽጣዊ ምንዓብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣምሓራን ቤንሻንጉልን፡ ዓፋርን ሶማልን ዝረአ ዘሎ ዘየቕስን ምስሕሓብ ን2021 ከቢድ ብደሆ እዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ኣብ 2021 ዘሰክፍ እዚ ዘድበንብን ዘሎ ዞባዊ ውግእን ሳዕቤናቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ እነሆ ምልባዕ ኮቪድ-19ኳ ነዛ ዓዳስ ዓመት ኣብ እንቕበለሉ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ደረጃ ይዓርግ ምህላዉ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ከም ዝበሃል ኣብ ህዝብና ኣሕዲርዎ ዘሎ ሓድሽ ስግኣትን ዕጽዋን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋ ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ መፍትሕ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ናይ ደሓን ሓዲድ ወጺኡ እዩ።
ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2021 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሓልፍ፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ረቛሕታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ግድን ክማላእ ዝግበኦ ረቛሕታት፡ ሓደ ከኣ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን እዚ ግንዛበዚ ነይሩና እዩ። ካብዚ ግንዛበዚ ነቒልና ኢና ከኣ ኣብ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወሰን ርሕቀት ዝሰጐምና። እዚ ግደታ እምበር ምርጫ ዘይኮነ ምጥርናፍ ንምሕያል ሎሚዘበን እውን ዝያዳ ዓሚ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ተመኩሮና ቀሲምና፡ ኣሳጉማና ከነቐልጥፍን ኣተሓሕዛና ከነሕይልን ሓላፍነትና ምዃኑ ንካልኢት እውን ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን።
ብዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባዚ ኩለንተና ዓመታዊ ገምጋም ምንቅስቓስ ጨናፍር ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ዝዓለመ ምንባሩ ተፈሊጡ። ነዚ ኣብ ምስልሳል ካብ ኩሎም ምምሕዳራት ጨናፍር ሰልፊ ብሓፈሻ መስኖታቱ ሓልዩ ዝቐረበ ጸብጻባት ኣተናቒቁን ተቐቢሉን።
ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኻብ ኹለን ጨናፍር ናይቲ ዞባ ዝቐረበ ጸብጻባት ሓደ ብሓደ ብምምልካት መዚኖም። ንትሕዝቶ ጸብጻባት ጨናፍር፡ ብጽፈቱን ኣገባብ ኣቐራርቡኡን፡ ሕድሕድ ስጥመት ኣባላት ምምሕዳራትን፡ ተወፋይነቶምን ኣድኒቆምን ኣመስጊኖምን።
ካብ ትሕዝቶ ጸብጻባት ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡
ሃገራዊ ዕማማት
ሰልፋዊ ዕማማት
ኢድ ኣእታውነት ህግዲፍ ኣብ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝብሉ ካብቶም ቀንድን እዋናውያንን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ምንባሮም ድማ ተራእዩ።
ኣባለት ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝቀረበ ጸብጻባትን ናይዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ዝፋኖ ዓመት 2020 ዝተሰላሰለ ስራሕቶም ብደቂቕ ድሕሪ ምግምጋም፡ ንዝጸንሐ ሕጽረታት ብምምላእ፡ ነቲ ሓያል ጎኒ ናይቲ ዞባ ብምዕቃብ ናይ ዝመጽእ ዓመት 2021 ክፍጸሙ ዘለዎም መደባት ሓንጺጾም።
ንህልዊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝተሰኣሰለ ሓባራዊ ዕዮን፣ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ምውህሃድ መደባትን ብምዕቃብን ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕን፣ ኣባላት ሰልፊ ምስ ኹሎም ንስለ ህዝብን ሃገርን ዝቓለሱ ኣባላት ኤርትራውያን ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ኮታስ ምስ ተቓወምቲ ሓይሊታት ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን ሓቢሮም ክሰርሑን ጻዕርታቶም ከሓድሱን ኣገዳሲ ከምዝኮነ ኣመልኪቶም።
ሽማግለ ዞባ ነቲ ብኣቢዪ ኣሕመድ ዝመራሕ ስርዓት ብልጽግና ኢትዮጱያ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ ንሕዝያ ዘይብሉ ሃስያ ኲናት ኣጥቢቁ ብምኩናን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጥራሕ ከይተወሰነ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ዕንወት ቃልኪዳን ኣሲሩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍን ቕትለትን፡ የዕናዊ ተግባራትን ሓሪኖም ንኽቃለስዎ ብዘይ ወዓል ሕደር ይጽውዕ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ሽማግለ ዞባ፣ ነቲ ኣብ 2020 ዝተመዝገበ ጥምረትን ተወፋይነትን ኣባላት ሰልፊ ኣመጒሱን ንኢዱን ኣኼባ ደምዲሙ።
፡
ክብርቲ ኣዴናን ሓፍትናን ህይወት ነጋሲ ኣባይ ብዝሓደራ ሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሚኣ ብሰሉስ ዕለት 23-12-2020 ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ። ወይዘሮ ህይወት ነጋሲ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሓንቲ ካብተን ኒሕን ጽንዓት ከይተፈልየን ኣብቲ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነትን ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ግዲኤን ዘበርከታ ሃገራውያን ኣዴታት ምንባራን፡ ሓርነት ህዝብን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብዝካየድ ዘሎ ቃልሲውን ከይሰልከየት፡ ደኺመ ከይበለት ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ሓላፍነታ ዝፈጸመት፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን እትልለ ተጋደለት ኣደን ሓውትን እያ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ነፍስ ይምሃር ህይወት፡ ንሰሉስ ዕለት 29-12-2020 ሰዓት 14.00 (ማለት ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ) ኣብ መካነ መቃብር ቱቢንገን ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።
ቦታ፡ ኣብ Bergfriedhhof Tübingen
Galgenbergstraße 10, 72o72 Tübingen ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸም ምዃኑ ንሕብር።
ምሉኣት ስደራ ቤት
ነጋሲ ኣባይን ኣፈወርቂ ኣባይን
እንእምሞን እንሓስቦን መደባት እንተዘይተግቢርናዮ ፋይዳ የብሉን። እቲ እነተግብሮ ኣብ ጽጹይ እማመ ዝተመስረተ እንተኮይኑ ውጽኢቱ ኣድማዒ ኣይከውንን። እንእምሞ መደባት ዘይትግበር እንተኮይኑ እውን ከምኡ። ስለዚ ኣድቂቕካ ሓሲብካ ምእማምን ዝኣመምካዮ ብብቕዓት ምትግባርን ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። ኮታ ከምቲ ንሃገር ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ከኣ ካብ ሃገር ፈላሊኻ ምርኣይ ትርጉም ዘየብሉ ማለት እዩ። ስለዚ በቲ ንሓስቦ ዘይኮነ፡ በቲ እነተግብሮ ኢና እንዕወት።
እንእምሞ ምእንቲ ዕዉት ክኸውን፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ቅድመ-ኩነታት ብዙሓት እዮም። ብሓጺሩ ንምጥቃስ እንእምሞ መደባት ኩለ-መደያዊ ናይ ምትግባር ዓቕምና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ናይ ምትግባር ዓቕምና ብወድዓውን በዓል ቤታውን መልክዕ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ክብቕዓትናን ነገራዊ ዓቕምናን ቀንዲ ተጠቀስቲ ረቛሕታት እዮም። ደጋዊ ከባብያዊ ኩነታትና እውን ናቱ እጃም ዘየብሉ ኣይኮነን። ነዚታትን ካልእን ኣብ ግምት ከየእተኻ ዝእመምን ዝትለምን መደባት ግና ኣብ ምትግባሩ ጸገም ስለ ዘጋጥሞ ሕልሚ ኮይኑ፡ መኺኑ እዩ ዝበንን።
ብፍላይ ኣብዚ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ህዝባዊትን፡ ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኣንጻር ወጻዒ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዘለና ወሳኒ እዋን፡ ናትና ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ንህዝብና ደም ዘንብዖ ዘሎ ጉጅለ ሓያልን ድኹም ጐኒ ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። መደባትና ክንእምም እንከለና ከኣ፡ ድኹም ጐድኒ ናይቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉጅለ ንምምዝማዝ ዘኽእለና ክኸውን ይግበኦ። ንኣብነት ሓያል ጐድኒ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብካ ብግብሪ ኣርኢኻ ተቐባልነት ምርካብ ዘይኮነ፡ ኣብ ንህዝቢ ኣገዲድካ፡ ጓዕጺጽካን ክሉ መሰላቱ ነፊግካን ምግዛእ ዝተመርኮሰ እዩ። ስለዚ ንሕና ክንእምም እንከለና፡ ነቲ እቲ ጉጅለ ዘይክኣሎ ብዘኽእል መንገዲ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። በቲ ንሱ ዝኽእሎ ንህዝቢ ከይንቀሳቐስ ኢደ-እግሩ ኣሲርካ፡ ከይዛረብ ኣፉ ለጒምካ ናብ ሓይልን ጐነጽን ዝያዳ ዝዘንበለ ሸነኹ ክኸውን ኣይግበኦን። ካለኦት ኣብ ግዜ ምእማም መደባት እንምርኮሰሎም ረቛሕታት እውን ኣለዉ። ንኣብነት ብሓፈሻ ናይ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰያትና ናይ ምትግባር ዓቕምን ቅሩብነትን ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ውድብ ዝእምሞ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ክዕወት ስለ ዘይክእል።
ከምቲ “ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝበሃል፡ ክንእምም እንከለና፡ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ ምድህሳስን ካብኡ ትምህርቲ ምውሳድን ኣገዳስነቱ ልዑል እዩ። ካብቲ ናይ ዝሐለፈ ተመኩሮና ዳህሳስ ኣውንታን ኣሉታን ክንረክብ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ እንእምሞ ነቲ ኣውንታ ዝያዳ ዘሕይል፡ ነቲ ኣሉታ ከኣ ክድገም ዕድል ዘይህብ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ምኡዘ-ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዝተባህሉ ሓደ ካብቶም ትሻዕተ ቀወምቲ ኣማኸርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ንኣገዳስነት ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ብዝምልከት ዝጠቐስዋ ሓጻር ዛንታ ከምዚ ትብል። “ሓደ እዋን ኣንበሳ ብዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ እንስሳ ዘግዳም ኣውዲቑ ይሕልዎ ነበረ። ነዚ ዝተዓዘበ ተኹላ ብጉያ መጺኡ ከየፍቀደ ካብቲ ኣንበሳ ዘውደቖ ኣራዊት ክበልዕ ጀመረ። ኣንበሳ ሆየ ከኣ እቲ ድፍረቱ ስለ ዘየሕጐሶ፡ ነቲ ተኹላ ክሳዱ ቀንጢሱ ደርበዮ። ነዚ ኩነታት ብማዕዶ ትዕዘብ ዝነበረት ወኻርያ መጺኣ፡ ካብቲ ዝወደቐ እንስሳ ዘዝጸበቐ ስጋ እንዳቖረጸት ነቲ ኣንበሳ ኣቕረበትሉ። ነዚ ተግባራታ ዝተዕዘበ ኣንበሳ፡ እዚ ትሕትናዚ ካበይ ኢኺ ተማሂርክዮ? ኢሉ ሓተታ። ንሳ ከኣ ካብቲ ክሳዱ ዝቐንጠስካዮ ተኹላ” በለቶ።
ኣብዚ ቃልስና ወርትግ ካብ እንእምሞም፡ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍን ነዚ ዘብቅዕ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውሓስን ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ዛዕባታትና እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ “ኤርትራ ድሕሪ ህግዲፍ ከመይ ትመሓደር” ዝብል እውን ናይ መሰጋገርን ድሕሪኡን ናይ ነዊሕ ግዜ እማመታት ኣለዉና። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ካብ እንእምም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ጋና ኣብቶም ንእምሞም ዘድምዕ ውጽኢት ኣየመዝገብናን። ዘድምዕ ውጽኢት ናይ ዘይምምዝጋብና ምስጢር ብዙሕ ናይ ድኽመታት ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጥርኑፍ ግና ነቲ እንትልሞ ዘተግብር ተመጣጣኒ ዓቕምን ኩነታትን ክንፈጥር ዘይምብቃዕና እዩ። ኣብ ጽላል ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ብዙሓት ግንባራትን ጽላላትን ብሓባር ክንሰርሕ ኣንቂድና። እንተኾነ ውጽኢቱ ከምቲ ዝኣመምናዮ ኣይኮነልናን። ኣብዚ መዳይዚ ናይ ዘይምድማዕና ምኽንያት ከኣ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ከነወግዶ ዝግበኣና ድኽመት ዘይምውጋድና እዩ። እዚ ተመኩሮዚ ዘርእየና ከኣ ኣብ መንጎቲ እንእምሞን ነቲ እማመ ንምትግባር ዘለና ኩለመዳያዊ ዓቕምን ዘይመጣጠን ምዃኑ እዩ። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃርና ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከምቲ “ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ኣብ ዝተረፈ” ዝበሃል፡ ንተመኩሮና ንመጻኢ ክንመሃረሉ ይግበኣና።
ሬድዮ ድምጺ ሓርነት
ዕዙዙ ዝኽሪ ናይ ፍትውቲ ሃገርና ዝኽሰረቶም ሓርበኛታት ተቃለስቲ ተጋደላይ ስዉእ ስዩም ዑ/ሚካኤል ሓረስታይ ብ17 ታሕሳስ 2005 ዝተሰዋኣላ መዓልቲ ንመበል 15 ዓመታት ተዘኪራ ዊዒላ። ራዲዮ ድምጺ ሓርነት እውን ነዛ ጸላም መዓልቲ ከም ኩሎም ህልዋት ተቃለስቲ ንዝለዓለ ክብሪ እናዘከርናያ ንዕላማታትን ንቁሕ ራኢ ብጻይ ስዩም ኣምነ መሰረት ብምግባር ንምትግባሮም ቃልስና ነሕድሰላ ምዃና ንገልጽ። ብዝያዳን ብፍሉይን ብቀረባን ብሓባር ዝተቃለስናዮ ክዝክር ከሎኹ ዝስምዓኒ መሪር ሓዘን፡ ክርስዖ ዘይክእል ሓያል ታሪካዊ ተረኽቦታት ገለ 3ተ ክጠቅስ።
ድሕሪ እቲ ብዕዉትን መስተንክርን ስሪሒት ምዑታት ተጋደልቲ ፈዳይን ተሓኤ ሓራ ምውጻእ እሱራት ሰንበልን ዓዲ ኳላን ኣነ ካብቶም 7 ተባዓት ብጾት ናይ ሰምበል ናይ 12 የካቲት 1975 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሓደ ኣብ ገዛይ ባርጂማ ተራኺብና ንነብሰሄር ሻምበል ወልደሃይማኖት ኣምጺእና ጅግና ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ መደብን ኣገባብን ሓቢሩ ኣፈረሞ ስድራቤቱ ከኣ ምሳና ኣብ ዉሑስ ቦታ ከምዘሎዉ ሓበሮ። ነቶም 6 ተጋደልቲ ናይ ፖሊስ ዶጋና ክዳውንቲ ተኸዲኖም ሓጺር ልምምድ ተዋህቦም። 17፡30 ኣብ ኣፍደገ ሰንበል ቤት ማእሰርቲ 6ቲኦም ሓደ ዓቢ ጀንቢል ፍሩታ ዝተሸፈነ 5ተ ተዓጻፊ ካላሽን ሒዞም ሻምበል ተቀቢሉ ከእትዎም ውዲእና፡ ኣነን ተኽለ ማርናዮን ኣብቲ ጀራዲን ክንቅበል ተረዳዳእና። ብዘይ ክሳራን መስዋእትን ሙሉእ ንብረት ሰነዳት ቤት ማእሰርትን ንዘይክእልሉን ኣብ ማኪና ጺዒና ሓደ ናይ ሓንጎል ጸገም ዝነበሮ መንደቅ ይስቀል ይውርድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገዲፊናዮ ሃዘጋ ኣቶና።
ምስ ብ/ስዩም ንመጀርታ ገጽገጽ ኣብ ሃዘጋ ተራኺብና። ኣብ 1976 ኣብ ጉባኤ ጠቅላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ጠቅላል ሰክረታርያ ተመሪጸ። ብ/ስዩም ከኣ ኣቦ ወንበር ማሕበር ሓረስቶ ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ዝተመርጸሉ ኣነ ሰክረትርያ ናይቲ ጉባኤ ዝነበርኩሉ ካልኣይ ርክብና ኮነ። ጸኒሕና ድሕሪ ስምምዕ ካርቱም 1977 ናይ ስምረት ሽማገለ ምስ ህዝባዊ ግንባር ህዝባውያን ማሕበራት ተሓኤ 8 ዝኣባላት ስዩምን ተወልደን ካብ ሓረስቶት፡ ኣነን መሓመድ ሸክን ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ስዉእቲ ኣድሓነት ዓንዱን ኤልሳ መስፍንን ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓይለኣብ ዓንዱን ገረዝጌር ኤልያስን ካብ መንእሰይ ተመሪጽና። ካብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ስብሓት ኤፍረም፡ ኣማኔል ዑቅባይን ሙሳ ረባዕን ኣብ መዓስክር ህግሓኤ ንዘተ ተራኺብና። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሃይለ ድሩዕ ተቀቢሉ ሻሂን ቁርስን ተቀረበ። ቁርሲ ብፊኖ ዝተሰርሔ 2 ሕምባሻ መን ይቁረሶ ተባህለ። ድሩዕ ንስዉእ ስዩም ጋሻ ንስኻ ቁረሶ ኢሉ የቕርበርሉ ስዉእ ስዩም ንወየን ሕንባሻታት ጎቦ ጎበኤን ቆሪሱ ነተን ናይ ማእከል ገደፈን ፡ ድሩዕ እንታይ ድኣ እዚኤን ገዲፍካየን በሎ። ስዩም እዚኤንሲ ናትኩም እየን በሎ። ምኽንያቱ ዓወት ንሓፋሽ ተጻሒፉወን ስለ ዝነበረን ንብለኩም።
ሃይለ ሓረቐ ንሕና ምስ ኣድሓነት ዓንዱ ብሰሓቅ ክርትም በልና። ካልኣይ ኣገዳሲ ታርኻዊ ዝኽሪ ዘይተዘርበሉ ከም መሪሕነት ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ተሓኤ ሰፊሕ ሓይልን ተሰማዕነትን ስለ ዝነበረና፡ ካብ 1978 ኣትሒዝና ኣብ ዉሽጢ ተሓኤ ዝከይድ ዝነበረ ድኽመታት ዘይምዕሩይ ምሕደራ ኣብ ወጻእን ሜዳን ስለ ንነቅፍን ትዕዝብትና ንህብን ስለ ዝነበርና፡ ን3ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ኩሉ ጉድለታት ጠቂስና ተሓኤ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ፡ ን9 ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማገለ ንጹር ሰነዳዊ ነቅፈታ ጺሒፍና ንኣቦ መንበር ኣሕመድ ናስር ሂብናዮ። ነዚ ንምድላው ብጻይ ስዩም ዝነበሮ ኣረኣእያ ብሓቂ ሓያል ደራኺ ከም ዝነበረ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓንጎለይ ተሰሚሩ ኣሎ። ሳልሳይ ምስክርነት ከኣ ብትብዓት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ነብሰሄር መለስ ዜናዊ ወያኔ ዝገበርዎ ጉጉይ ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዉድባት ብድፍረት ነቀፈታ ዘቅረበ ተባዕ መራሒ እዩ። ስዉእ ስዩም ኣዋዳድቃ ቃላትን በቲ በርቃዊ ንጹር ገላጺ ድምጹን ኣብ ራዲዮ ተሓኤ ካብ ኡንዶርማን ካርቱም ዉርይቲ ታሪካዊት ግጥሙ ሰይ ኮታ ሰይ ኮታ … ንዓይ ነደ ሰውራስ ኣብ ሎቆታ…ገለ ንስማዕ…. (ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ምስማዕ ይከኣል)
ኤርትራውያን ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ቀንዲ ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ነቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ተጻዒኑ ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣርዑት ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ዕቤትን ምርግጋጽ እዩ።
ኣብቲ ኤርትራ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ንኽትደፍእ ዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልስና ብዙሓት በብእዋኑ ብቐዳምነታት ዝስርዑ መድረኻት ከም ዝሓለፍና ስኑድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ንፖለቲካውን ሕጋውን መድረኻት ቀዳምነት ሂቡ ተቓሊሱ። በዚ ከም ዘይዕወት ምስ ኣረጋገጸ ከኣ፡ ብሂግዎን ሃሪፉዎን ዘይኮነ ብዘይካ ኣብ መግዛእቲ ምንባር፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ወፊሩ። እዚ ብረታዊ ቃልሲ እውን ብብዙሓት ነናቶም ቀዳምነት ብዝነበሮም ምድረኻትን ኣንፈታትን ሓሊፉ እዩ ተዓዊቱ። ጉዳይ ረፈረንደም እውን ከምኡ ኣብ ግዜኡ ቀዳምነት ሒዙ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዘካይድናዮ ቀዳማይ ምዕራፍ ኮነ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ምዕራፍ ቃልሲ ጸገማትና ብዙሓት ነይሮም ሎሚ እውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። ብመሰረቱ ነቲ መስርሕ “መሪር ቃልሲ” እንብሎ እውን፡ ብብድሆታት ምሕላፍ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ ናይ ህግዲፍን ህዝብን ሃገርን ጓዕጺጽካን ሕድሩ ጠሊምካ ክትነብር ናይ ምሕላን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ፈሊጥና ዝኣተናዮ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት እውን ኣቐዲምና ካብኡ እንጽበዮ እምበር ሃንደበት ዝመጽእ ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ብደሆና ናይቲ ንሕና እነካይዶ ቃልሲ ምዕራይን ዘይምዕራይን ጸገም እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልስና ዘጋጥም ጸገማትን ዕንቅፋታትን፡ ገሊኡ ሰኣን ክእለትናን ዓቕምናን ዘጋጥም፡ ገሊኡ ከኣ ናይ ምግባሩ ዓቕሚ እንዳሃለወና ብድኽመትና ነባኽኖ ዕድልን ግዜን እዩ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቀዳምነትካ ብግቡእ ዘይምስራዕን ኣብቲ ዝመረጽካዮ ኣንፈትካ ዘይምጽናዕን ከም መርኣያ ድኸመትና ዝቐርብ ሕጽረትና እዩ። እዚ ጸገምና ምዃኑ እንዳተረዳእና ብግብሪ ግና ኣይነእርሞን። ቀዳማይ፡ ካለኣይ፡ ሳልሳይ እንዳበልና ብሓሳብ ቀዳምነታትና እንተሰራዕና እውን ኣብ ምትግባር ግና ነቲ ዝሰራዕናዮ ነዘባርቖ፡ ነቲ ዝተለምናዮ ኣንፈት እውን ኣቕጣጫኡ ነስሕቶ እሞ ኣብ ዕንክሊልን ዘይተደላይ ግዜን ዓቕምን ምብኻን ንወድቕ። እቲ ተቓሊስና ከነወግዶ ዝግበኣና ሓደገኛ ወጻዒ ጉጅለ ከኣ በዚ ድኽመትና እንዳተዓንገለ ዕድሜኡ ይነውሕ። ክንድቲ ምንዋሕ ዕድሜኡ ድማ ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይኸብድን ይመርርን።
ካብቶም ኣብቲ ዝሰራዕናዮ ቀዳምነትን ዝኣመትናዮ ኣንፈትን ጸኒዕና ቀጥ ኢልና ከይንቕጽል፡ ዝዕንቅፉና፡ ንሓንሳብ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንድሕሪት ነዊሕ ተመሊስካ ምሕሳብን ምጽብጻብን፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ሎሚ ኮይካ ናይ ሎሚ ከይወገንካ ቅድሚት ከይድካ “ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና” ብዘብል፡ ንናይ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ቀዳምነት ሂብካ ምውጣጥ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ ኣይኮነን ማለት ግና ንናይ ትማሊ ፈጺምና ንጠንጥኖ፡ ወይ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንገምት ማለት ኣይኮነን። እንያታይ ደኣ፡ ቀዳምነትና ሎሚ ክዕመም ዝግበኦ ምዕማም ምዃኑ ክንስሕት ኣይግበኣናን፣
ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን እዩ፡ ኣንፈትና ከኣ ነዚ ዋኒና ምስላጥ እዩ፡ ክንብል እንከለና፡ ካብ ከባብያዊ ጽልዋታትን ምዕባለታትን ተዓጺና ወይ ተገሊልና፡ ከም ፈረስ ተሸቢብና ንቕድሚት ጥራይ እንዳረኣና ንጐዓዝ ማለት ኣይኮነን። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ከባብታት ምዕባለታት እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ክንሕግዞን ክንድግፎን ዝገባኣና ከባብያዊ ምዕባለ ክህሉ እንከሎ ዓቕምና ንገብር። ዝሕግዘና ክንረክብ እንከለና ከኣ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት ሕዙእ ጉዳይና ኢዱ ከየእተወ፡ እጃሙ ከበርክት ኣፍደገና ኣይንዓጹን። ምስዚ ኩሉ ግና ካብታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ሽኻል ከይንወጽእ ጥንቁቓት ክንከውን ናይ ግድን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ንኤርትራዊ ዛዕባና ገሊኦም ብኣውንታ ገሊኦም ድማ ብኣሉታ ዝጸልዉዎ ምዕባለታት የጋጥሙ ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ጐረባብትና ሃገራት እውን ምዕባለታት ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ጐሊሑ ዘሎ ጸላዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይኮነንዶ ከምዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ ሒዙ፡ ካብ ቀደሙ እውን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸላዊ ባህሪ ዝጸንሖ እዩ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምንባራ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ሓደ እዋን ክቱር ፍቕርን ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሎሚ ድማ ተመሊሶም ዓይንን ሓመድን ምዃንን፡ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ኣብ ባድመ ዝጀመረ “ናይ ዶብ ውግእ”፡ ናይ መራሕቲ ህደግፍን ብልጽግናን ሃንደበታዊ ፍቕርን ሓቢሮም ኣንጻር ህወሓት ምሕንሓንን፡ …. ወዘተ፡ ኩሎም ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ምስ ትግራይ ተጸላላዊ ምዃኑ ዘርእዩ እዮም። ግና ምስዚ ኩሉ ምትሕልላኽ እውን፡ ክንዛረብ፡ ክንመዝን፡ ክንድግፍ፡ ክንቃወም፡ ዓገብ ክንብልን ክንመሓዞን እንከላና ነታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ከይዘንጋዕና ደኣ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ በደል ከሻቕለና ባህርያዊ እዩ። እቲ ቀዳምነትና ግና ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደልን ካብዚ ንምንጋፉ እነካይዶ ቃልስን ምዃኑ ዘይምስሓት። ንኣካይዳ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኮነ ንኣተሓሕዛ ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ መዚንና ክንድግፍ ወይ ክንነቅፍ እንከለና ቀንዲ ቀዳምነትና ግና ንጉጅለ ህግዲፍ ምቅላዕን ብህዝባዊ ቃልሲ ምውጋዱን ምዃኑ ከይንርስዕ ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። በቲ ብሰንኪ ትግራይ ዓውዲ ውግእ ምዃና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ክንሓስብን፡ ክንሓዝንን ንራህዋኡ ክንሕለቕን ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ቀንዲ ተሓላቕነትና ንህዝቢ ኤርትራን መሰረታዊ ረብሓኡን መሰሉን ምዃኑ ኣጽኒዒካ ምሓዝ ከድልየና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከየድማዕና፡ ኣንፈትና ስሒትና ካልእ ቀዳምነት እንተሒዝና ኣብኡ እውን ኣይከነድምዕን ኢና። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያውያን “ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ፡ ንዓኻትኩም እውን መከራ ክጐተልኩም እንተዘይኮይኑ ኣይክጠቕመኩምን እዩ” እንብሎም እዩ ከኸውን። ሐደ ከነስተብህለሉ ዝገባኣና ዓብይ ጉዳይ ከኣ፡ ኣብ ምምዛን ቀዳምነትና ዘይኮነ ብዛዕባ ዘጋጥመና ፍልልይ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ብሓባር ከይንቃለስ ክዕንቅፈና ዘይግበኦ ምዃኑ እዩ።