ጉዕዞና በበይንኻ ዝኽየድ ኣይኮነን

2021-07-17 12:40:54 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 938 times

ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ሃገርና ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ ንክትበጽሕ ነዊሕን ኩርኳሕን መንገዲ ተጓዒዝና ኢና። እንተኾነ እቲ ጉዕዞ ሎሚ እውን መልክዑ ቀይሩ ቀጻሊ እምበር ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ብራኸ ኣይበጽሐን። እቲ ቅድሚ ሕጂ ብፍላይ ክሳብ ግዜ ናጽነትና ዝመጻእናዮ ጉዕዞ ዕዉት እዩ ነይሩ። ዕዉት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ዘይከኣል ዝመስል ናይ ዝኸኣለ ጽኑዕ ህዝቢ ኣብነት  ኮይና ዝተነኣጽናሉ’ውን ነይሩ። ናብዚ ናይ ምብቃዕና ምስጢር ከኣ ከምቲ ኩሉ ግዜ እንገልጾ ምስ ኩሉ ካብ ፖለቲካዊ  ኣተሓሳስባ ጀሚርካ፡ ዝነበረና ፍልልያትን ሓጐጽጐጽን፡ ነቲ ዓቢይ ጉዳይ ሃገር ቀዳምነት ሂብና ስለ ዝተቓለስና ኢና።

ጉዕዞና ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓት ሒዝናዮ ዘለና፡ ጸረ ዘቤታዊ ወጽዓ ቃልሲ ግና ምስቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ክወዳደር እንከሎ፡ ካብቲ ክኾኖ ዝግበኦ ንላዕሊ ዘገምታዊ እዩ። ዘገምታዊ ጥራይ ዘይኮነ ብብዙሓት ባዕልና እንፈጥሮም ደውታታት ዝተመልአ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ  ቃልስና ተበግሶ ወሲዱ ኣብ ክንዲ ዘጥቅዕ፡  ደድሕሪ እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ወጻዒ ጉጅለ ኢሳያስ ዝፈጥሮ ተረኽቦታት ናይ ምስዓብ ኩነታት ዝረኣዮ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይዚ ነካይዶ ዘላና ቃልሲ ባህሪ፡ ብብዙሕ ኩርነዓት ክረአ እንከሎ፡ ካብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዘካየድናዮ ዝፍለን ዝረቐቐን ምዃኑ ንተኣማመነሉ እዩ። ኩሉ ገዲፍና ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝካየድ ናይ ኣተሓሳስባ ቃልሲ  ምዃኑ ጥራይ ዝተሓላለኸን ዝያዳ ጥንቃቐን ኣተኩሮን ዝሓትትን ይገብሮ።

ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጉዕዞ ናብ መሰረታዊ ለውጢ፡ በበይንና ተጓዒዝና ክንበጽሖ ከምዘይንኽእል ብክለሰ-ሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር ንሓልፎ  ዘለና እዩ። ኣብ ሓደ መድረኽ ውድባት ወይ ናይ ውድባት ልፍንቲ ሰንጢቖም ክሓልፉ ዝፈተንሉ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ኣይከኣሉን። ምኽንያቱ ሓደ ኣካል ካባኻ ዝሓሸ ኩነታት ፈጢሩ ክሓልፍ ንዝፍትን፡ ዋላኳ ውጽኢቱ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ምትብባዑን ንኣካይዳኡ ከም ኣብነት ምውሳድን “ምዕንቃፉ” ዝብል ሕማቕ ባህሊ ሳዕሪሩ ስለ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ከምዚ  ኩነታት ከም ምርጫ ዝተወስደ እምበር፡  ንኹልኻ ኣብ ዘማእክል ኣብ ውሱን ዛዕባታት ዘትከለ ሰፊሕ ናይ ቃልሲ ሰረጋላ ምስፋር እዩ። እቲ ውሱን ዛዕባታት “ዘይህዝባዊ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድን ህዝቢ ይኾነኒ ብዝበሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእን”  ዝብል ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ነዚ እውን ስለ ዘይበቓዕናዮ፡ እቲ ብሓባር እምበር በበይንኻ ዘይክየድ ጉዕዞ  ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንከሎ ጌና ንጠማመት ኣለና።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እቲ ጸገምና እንታይ ምዃኑ እንዳፈለጥናዮ፡ ካብኡ ክንወጽእ ዋጋ ክንከፍል ዘይምብቃዕና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ጸገማትና፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማመዓና ዝያዳ ከነህጥር እንጽዕር ነቲ ዝፈላልየና ከነተዓባብን ምርሕሓቕ ከነስፍሕን ህርድግ ንብል ምዃና እዩ። ከምቲ ግቡእ ኣይኮነንዶ ገዚፍ ዘሰማምዕ እንዳሃለወና ነቲ ዘፈላልየና ከነራጉድ ንጽዕር፡ እቲ ዘሰማመዓና ኣዝዩ ንኡስ እንተዝነብር’ውን ንዓኡ ከነጉልህ ክንጽዕር መተገበኣና። ዝያዳ ንምብራህ፡ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታ ከም ዘሎ፡ ናይ ሽግሩ ጠንቂ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑን እቲ መዋጸኦ ከኣ ነዚ ጉጅለ ምውጋድ ምዃኑን ኣይኮነንዶ ንዓና ንሕብረተሰብ ዓለም እውን በሪሁ ዘሎ እዩ። “እቲ ኩነታት ከምዚ ካብ ኮነ ሓቢርና ህግደፍ ኣሊና ራህዋ ዘይነምጽእ?” ኢልካ ምስ ሓተትካ ኣብቲ መልሲ ዕንይንይ ይመጽእ። “ነዚ ክኸውን እንደልዮ ክንገብር ዘኽእል ዓቕሚኸ ኣለናዶ የብልናን?” ዝብል ሓሳብ’ውን ይኽተል። ናይዚ መልሲ ድማ “ዓቕምና ክንመዝን ክንበቅዕስ መዓስ’ሞ ነቲ ዝርካቡ ብግቡእ ተጠቒምናሉ” ዝብል እዩ ዝኸውን።

ሓቂ እዩ ኣይኮነንዶ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኮይና፡ ውልቀሰብ እውን ኣብ ቃልሲ ካብ ሃለወ መጻኢ ዘማዕዱ ፖለቲካዊ ሕሳብ ክህልዎ ግድን እዩ። ከምኡ እንተዘይኮኑ’ሞ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ክኸውን’ዩ። ስለዚ ንሕናውን ነናትና ሕሳባት ኣለና። ኣብ መጻኢ እዚ ሕሳባትና ክዕወተልና ምድላይና ድማ ሓጥያት ኣይኮነን። እንተኾነ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ኣጣጢሖም ክሳብ ዘይረገጹ፡ ናይ ኩልና ሕሳባት “ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና” እዩ ዝኸውን። “ሰልፈይ ወይ ውድበይ ስልጣን ክሕዝ፡ ኣተሓሳስባይ ሕገመንግስታዊ ልዕልና ክረክብ፡ ባህለይን ቋንቋይን ክዕንብብ……..ወዘተ” ኢልካ ምሕላን ጸገም ኣይኮነን። እዚ “መዓስን ኣብ ከመይ ኩነታትን’ዩ ዝረጋገጽ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ዘይተመለሰሉ ምሕላኑ ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ካብዚ ዘለናዮ ደውታ መዋጸኦ ዝኾነና፡ ነቲ ኩሉ ግዜ፡ ንምድሮ፡ ንጭረሖ፡ ንኽትሞን ንእውጆን  ምትግባር እምበር ካልእ ተኣምር ኣይኮነን። እተኾነ ነቲ ኣብ መንጎ ምባልን ኣብ ባይታ ምትግባርን ዘሎ ሃጓፍ  ከነወግዶ’ኳ እንተዘይከኣልና ከነጻብቦ ግና ቅሩብነት እንተልዩና ዘይክኣል ኣይኮነን። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ንዝሓለፈን ሎሚ ዘየስርሕን ጉዳይ ንቕድሚት ዘይምምጻእ፡ ኣብ ክንዲ ውልቃዊ፡ ሰልፋውን ውድባውን ጸቢብ ስምዒታት ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ከነቐድም እንተ በቒዕና ዝከኣል’ዩ።

ሓደሓደ ግዜ ኣብ ዝረአን ዝድህሰስን ሓቂ ዝፈላለየሉ ዕንቅፋት’ውን ኣሎ። ንኣብነት ብዛዕባ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዉ፡ ክንዝቲ እንከለና፡  “እቲ ጉጅለ ናብ ትግራይ ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ መቐለ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ስለ ዝተደርበየ እዩ” ዝብሉ ብዙሓት እዮም። እቲ ካብ ቅድም ኢሳያስ ቀንዲ ተዋሰኣይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኮይኑ ዘዕገርግሮ ዝነበረ እሞ ይጽነሓልና፡  ቅድሚ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምድርባዩ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብወገን ሕሞራ ኣብቲ ውግእ ምእታዉ’ኳ ክንእመን ኣይንደልን። ካልእ መተዓዛዘቢ መጐተ ከኣ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ትግራይ ዝኣተወ፡ ብቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ መሬት ንምምላስ እዩ” ክበሃል እውን ይስማዕ’ዩ። እዞም ከምዚ ዝብሉ ወገናት ኢሳያስ፡ ድሕሪ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምሽራኹ፡ ንጉዳይ ዶብ ኣዋዲቕዎ፡“እቶም ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ዶብ ዘልዕሉ እቶም ምስ ኢትዮጵያ ጀሚርናዮ  ዘለና ምቅርራብ ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም። ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ።”  ክብል እንከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ምስ ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓቲቱ “ኣዝዩ ንኡስ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኣየልዓልናዮን”  ኢሉ ከም ዝመለሰ ኣይፈልጡ እዮም ማለት ድዩ?፡  ኮታ ህግደፍሲ ሃገር ከየጥፍእ እትሰግኦ እምበር፡ ዶብ ከምልስ እምነት እተንብረሉ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ኣብ ርኡይ ጉዳያት ምፍልላይ’ውን ነቲ ብሓባር እምበር በይንኻ ዘይብጻሕ ጉዕዞና ይሓላልኾ ከምዘሎ ይሰቆረና።

Last modified on Saturday, 17 July 2021 14:43