እንኣምነሉ ክነስና ዘየዕወትናዮ መድረኽዊ  ዕማም!

2025-04-29 15:34:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 174 times

ኣብ መስርሕ ናይዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መሰረታዊ ሸቶ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከም ዝራኽብ ዝሳሓት ኣይኮነን። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መቓብር ዲክታተርነት ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካል፡ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታትን መሰረታዊ መሰላትን ምግጋጽን ምዕቃብን  ዝብሉ ናይቲ ሓባራዊ ሸቶ መርኣያ እዮም።

ናብዚ ዝተጠቕሰ ቅድሚት ዝስራዕ መባእታዊ ዘሰማምዕ ዓላማ ንምብጻሕ፡ ዓቕምና ንምእካብ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ኩልና ሓይልታት ለውጢ እምንቶ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ ከኣ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘይኮነ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተቐስመሉ፡ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ምንባሩን ምዃኑን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ እውን ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ፖለቲካዊ ባእታታትን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዘውጽእዎ ኣዋጃትን ዘስምዕዎ መደረታትን ንወሳኒ ኣድላይነት ናይዚ ናይ ሓባር መድረኽ ከይጠቐሰ ዝሓልፍ የለን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጉዳይ ዝዕወት ስለ ዝመደርካሉ፡ ዝደገፍካዮን ዝበሃግካዮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል ብቑዕን ቅሩብን ዓቕሚ ኰንካ ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ዝተመሃርናሉ መስርሕ  እዩ።

ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡  “ስለምንታይ ዳኣ ክሳብ ክንድዚ ኩልና እንደልዮን  እንኽእሎን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወትናዮ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ዝኸውን። ነዚ ሕቶ መልሲ ክርከበሉ’ውን መተካእታ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ከም ቀዋሚ ኣጀንዳና ወስዲና ንቃለሰሉ ዘለና። እቶም ኣብ ዙርያዚ መሰረታዊ ሕቶ እንዋሳእ ዘለና ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፡ ኣወዳድባና በበይኑ እዩ፡ ገሌና ሰልፊ ገሌና ውድብ ከምኡ እውን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን። እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እውን ጐነጻዊዶ ዘይጐነጻዊ እናተባህለ  ከም ዝፈላለ ርኡይ እዩ።

በዚ ኮነ በቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ንወደብን፡ ዝኾነ ኣገባብ ንክተልን  ሸቶና ኣብ ኤርትራ ልዕልና ህዝብን  ፍትሓዊ ምሕደራን ዘረጋግጽ መሰረታዊ ለውጢ ኣምጺእካ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሰት ኤርትራ ምግሃድ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣቐዲምካ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ቀዳምነታትካ ብጥንቃቐ ሰሪዕካን ዋላ ኣብ ዝወሓደ ነጥብታት  ኣብ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትስጉምን ፍልልያት ከተጽብብን ዘይምብቃዕ ዘርኢ፡ ካልእ ናይ “እናደለኻዮን እናከኣልካዮን” ናይ ዘይምዕዋቱ ኣብነት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ  ንከይንዕወት ይዕንቅፉና ካብ ዘለዉ ቀንዲ ጠንቅታት፡ “ነቲ ዝፈላልየካ ዝያዳ’ቲ ዘሰማምዓካ ምትዕብባይን፡ ንፍልልያት ግዜ ሂብካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትፈትሖም ዘይምኽኣልን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይምጥራይ፡ ናብ ህዝቢ ሓቢርካ ዘይምቕራብ፡ ዕቱብ ገምጋም ዘይምክያድ፡ ንሓድሽ ምዕባለ ዝምጥን ሓሳብ ዘይምንጫው፡ እስትራተጅን ሜላን ምድብላቕ፡ ንብዙሕነት ውዳበታት ከም ሓደጋ ምርኣይ፡ ሓቀኛ ምትእምማን ዘይምጥራይን ዝኣመሰሉን እውን ቅድሚ ሕጂ ብውድባት ኤርትራ  ብሓባር ዝተገምገሙ ክድገሙ ዘይግበኦም ሕጽረታት እዮም።

እቲ ካልእ ጐሊሑ ክረአ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ጉዳይ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሐ ኣውንታዊ ተመኩሮን ጥጡሕ ባይታን ብምውሳኽ  ዋጋ ብዝተኸፍሎ ናይ ተመክሮ ጸጋ ምጥቃም፡  ኩሉ ግዜ “ሓደ” ኢልካ ጀማሪ ናይ ምዃን ዝንባለ ምርኣይ ወትሩ ዝጥቀስ ክእረም ዝግበኦ ድኽመት እዩ። ኣብ መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ናይቶም ተዋሳእቲ ሰልፍታት ይኹን ውድባትን ማሕበራትን ውሽጣዊ ዓቕምታት ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝምስረት ጽላል ዓቕሚ እኩብ ድምር  ናይቶም ዘቑምዎ ኣካላት ዓቕሚ ስለ ዝኾውን። እቲ ቅኑዕ መዋጽኦ ከምኡ እናሃለወ፡ ኣብ ኣድላይነት ናይተን ኣብ መስርሕ ቃልስን ተስፋ ኣብ ዝህብ ፈተነታት ምምስራት ጽላልን ዝርከባ ውዳቤታት ዕቱብ ዘተባብዕ መርገጽ ዘይምሓዝ ዘይሩዘይሩ ኣብ ምምስራት ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ዘይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ዝንባለ’ውን እዩ።

ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይቶም ሰብ ጉዳይ ለውጢ ከተምጽእ ምጽዓት፡ ኣወዳድባታትን ኣሰያይማ ጽላላትን ኣተኲርካ  ለውጢ ከተምጽእ ምህቃን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ሓላፍነት ወሲድካ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝሕግዝ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከተተኣታቱ ምብቃዕ ምዃኑ፡ ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ ምምስራት ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካለኦት ንኡሳን ምሕዝነታትን   ምትሕንፋጻትን ዝተመኮርናዮ እዩ።

ሓቢርካ ምቅላስ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ  ናይ ለውጢ ቃልሲ ብጽሒቱ ወሳኒ ምዃኑ ንሕና እንርደኦ እቲ ብሓድነትና ዝርዕድ ህግደፍ’ውን ዝግንዘቦን ንከይዕወት ውዲታት ዝኣልመሉን እዩ። ብሓባር ምቅላስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን እውን ወሳኒ እዩ።  “ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓለሱ” ዝብል መጸዋዕታ ልዕሊ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕጽንታ ምዃኑ  ምስትውዓል’ውን  የድሊ።

 ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንኤትራዊ ልኡላውነት ዝደናደን ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ተርእዮ ክቕልቀል እንከሎ፡ ናይ “ኣይፋል ንዓመጽ እወ ንልኡላውነት” መልእኽትና ትርጉምን ዓቕምን ክህልዎ ሓቢርካ ምስላፍ ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳትና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንከተድምዑ ሓቢርኩም ዘይትንቀሳቐሱ” እንበሃሎ ከኣ ነዚ ዘምልክት እዩ። እቲ ካልእ ገዲፍና ኣብቲ ጐረባብትናን ዞባናን ዝኽሰት  ዘሎ  ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  ትርጉም ንክህልወና ነቲ ክሳብ ሎሚ እናኣመናሉን እናደለናዮን ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ብሓድሽ መንፈስን ድሉውነትን ምትግባር  ሎሚ’ውን ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።

Last modified on Tuesday, 29 April 2025 17:37