“ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”
2025-05-06 07:18:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 674 timesናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እንተተመሊስና ከይነውሓና፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምኽታሙ፡ ኣብ ከባቢና ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተቐላቐለ ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ። እዚ ተመሓዝዮም ዝጸንሑ ዝፋትሕሉ፡ ዝጠማመቱ ዝነበሩ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ዝምስርትሉ ኩነታት ይፍጠር ምህላዉ ዘመልክት እዩ። እዚ ክትረግሞ ንዝጸንሓካ ብምምራቕ፡ ክትምርቖ ንዝጸናሕካ ከኣ ብምርጋም ብዝተቓነየ ፖሮፓጋንዳ ዝተሰነየ ምዃኑ ንሪኦን ንሰምዖን ኣለና። እቲ ዝጸንሐ ኮነ ክፍጠር ዝባሃል ዘሎ ዝምድናታት ናይቶም ተሰለፍቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ክቱር ህርፋን ዝማእከሉ እምበር፡ ኣርሒቑ ዝጥምት “ረብሓን ባህግን ህዝብታት” ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኮነ ብፍላይ ንኤርትራውያን ብሩህ’ዩ።
ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ብ1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝቢ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ተረእዮ ምእንቲ ፍትሕን ረብሓን ህዝብታት ዘይኮነን ቀጻሊ መፍትሒ ዘየምጽእን ብምንባሩ “ኣይፋልኩምን፡ መንገዲ ፍትሕን ሰላምን ከይጸንቀቕኩም ውግእን ዓመጽን ኣይተቐድሙ” ዝብል ስምዕታ፡ ብሓፈሻ ናይ ብዙሓት መንግስታት ብፍላይ ከኣ ናይቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ነይሩ። እንተኾነ እቶም ውግእ ዝመረጹ መንቀድቲ፡ ነቲ ምግማቱ ዘጸግም ንዓለም ዘስደመመ ህይወትን ንብረት ዘህለቐ ውግእ ቀጺለምዎ። ኣንጻር እቶም ናይ ጥፍኣት መንገዶም ዘይተቐበሉ ኣካላት ከኣ ኣጸያፊ ጸለምታትን ጠቐነታትን ኣካይዶም።
በቲ ውግእ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሎም ዕድል ሓደጋ ምዃኑ ምስተረድኡ ግና፡ ብፍላይ ብወገን ህግደፍ ናብ ኣልጀርስ ኣምሪሖም ናይቲ ቅድም ዝተሓሰምዎ “ሰላማውን ሕጋውን መስርሕ” ተቐበልትን ሰበኽትን ኮይኖም፡ ካባ ስዕረት ተጐምጒሞም ንዋራ ዝደሓንሉ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ብሰንኮም ህይወት ደቁ ዝሰኣነን ንብረቱ በሪሱ ዝተመዛበለን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከኣ “ማይ ዕሚኹ”ተሪፉስ” ክሳብ ሎሚ ይቕንዞ’ሎ። ኣብ መጻኢ ከይድገም ተማሂርሉ ክኸውን ዝነበረ ተስፋ ከኣ፡ እንደጋና ጽልእን ቅርሕንትን ብምውላዱ እነሆ እቲ ህውከት ቀጻሊ ኮይኑ ።
እቶም ካብ ቅድም ነቲ ናይ ውግእ ምርጫ ዝተቓወሙ ወገናት፡ ነቶም ውግእ መሪጾም ዘይሰለጦም፡ ኣላሽ ዝበሉ፡ “ማንቲለሲ ዘሊላ ዘሊላ ናብ ምድራ” ከም ዝበሃል፡ “ንሕናኮ ነጊርናኩም ኔርና ኢና” ኢሎም ኣይተመክሕሎምን። ብኣንጻሩ ናብ ልቦም ተመሊሶም ልዝብን ምድምማጽን ስለ ዝመረጹ፡ እሞ እቲ ተግባር ንረብሓን ደሕንነትን ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሓሳቦም ተቐቢለምዎ። ይኹን እምበር ድሕር’ዚ ጥፍኣትን ህልቂትን ዘኸትል ውግእ’ውን፡ ብህግደፍ ከም ክድገም ዝገመቱ ነይሮም እዮም። ግምቶም ከኣ ግምት ኮይኑ ኣይተረፈን።
ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ድንግርግር ዓመታት ፡ ከምቲ ሓደ ፖለቲከኛ “ተኲሲ ናይ ዘይስምዓሉ ውግእ ግዜ” ዝበሎ፡ ኣብ 2018 በዚ መጸ ዘይተባህለን ታህዋኽ ዝደፍኦን፡ ኣብ መንጎ’ተን “ዓይንን ሓመድን” ኮይነን ዝጸንሓ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሰላም ተመሊሱ፡ ዶባት ተኸፊቱ” ምስ ተባህለ፡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮነ። እቶም ብጉርሒ ዝጐዓዙ ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ከኣ፡ ገለን ተመስጊነምሉ ገሊኦም ድማ ናይ ሰላም ኖበል ተሸሊመምሉ፡ ገለ ድማ ካብ እገዳ ተናጊፈምሉ። “ንኢትዮጵያ በታቲንና ኢና ክንገዝኣ እንኽእል” ዝብላ ዝነበራ ልሳናት ህግደፍ ድማ “ዕላማና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ምሕላውን፣ ወያነ ዳግም ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርራ’ዩ” ክብላ ተሰሚዐን። በቲ ክስተት ተገሪሞም፡ “እንቀዓ መሻላ ዘይውደኣ ይመላ” ዝበሉ ጠርጠርቲ ከኣ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ብዘደንጹ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናምበልበሉ ኣብ ኣደባባያት ተጠሊዖም “ተደሚርና ኢና” ዝብሉ ደድሕሪ ህግደፍ ዝሰኸሩ ኤርትራውያን ድማ ተራእዮም።
ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርበሐ ህግደፍ፡፡ በዓል ጽቡቖም ክኸውን ዝተመነዩ ስምዒታውያን ኢትዮጵያውያን ከኣ ንዲክታተር ኢሳያስ ዝመጉስ መዛሙር እናስምዑ ክዘሉ ተራእዮም። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና እቲ ሓደ “ተኾሊፍና” ዘርእስቱ ናይ እንጽርጽሮት ዜማ ክስምዕ፡ እቲ ካልእ ከኣ “ብዝኾነ መንገዲ ወነንቲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ክንከውን ኢና” ኢሉ ክጭድር ተሰሚዖም። እቲ ክስተት ንህዝቢ ኤርትራ ጥልመት ህግደፍን መራሒኡን ሓድሽ ካምዘይኮንዎ ርዱእ’ዩ።
ህግደፍ ንመጻኢ’ውን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ “ኣብ ስልጣን ምቕጻል ጥራይ ዝማእከሉ ሓሸውየ” ኣይክወጽእን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ከምቲ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሃል መልእኽትና ናብኡ ዘቕነዐ ኣይኮነን። ነቶም ህግደፍ በብግዜኡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርማ ተሰከሙ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜማ ኣቃልሑ” ክብሎም ዝጸንሐ “ናብ ልብኹም እንዶ ተመለሱ’ሞ ናይቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኩኑ” ዝብል መጸዋዕታ ከነቕርብ ግና ግድን’ዩ።
እቶም ንህግደፍ ኣሚኖም፡ ዘይኤርትራዊ ባንደራን ኣርማን ክቐያይሩ ዝጸንሑ፡ ሎሚ ድማ ካልእ ዝሕብሩ ባንዴራ ናይ ምጉምጓም ግደታ ዝጽበዮም ዘሎ ዝመስል፡ ከምቲ ንዝኾነ ነገር ደረት ዘለዎ፡ “ሎሚኸ ምስመን ኢኹም ከተትዓራርኹና ትደልዩ ዘለኹም?” ክብሉ ድዮም ኣይፋሎምን፡ ንሳቶም ክምለስዎ ዝግበኦም’ዩ። ካብ’ዞም ደድሕሪ ህግደፍ ሸለውለው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራውያን፡ “መብዛሕቶም ብውሽጦም ኣይድግፍዎን እዮም” ክበሃል ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ኣብ ውሽጦም ኣሎ ዝበሃል ሓቀኛ እምነቶም ካብ ሎሚ ዝጥዕም ደኣ ንመዓስ’ዮም ከውጽእዎ? ዝበል ሕቶ ዘኸትል’ዩ።
ከምቲ ፖሊሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዘነጽሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋጸኦ፡ ልኡላውነቱ ዝዓቀበ፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዝተሰረተን ኢድ ኣእታውነት ዘይቕበልን ዝምድና፡ ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ጐረባብቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ባህላዊ፡ ታሪኻዊ፡ ቋንቋዊ፡ ንግዳውን ዝኣመሰሉን ዝምድናን ተመሳሳልነትን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስዚ ግና ነናቱ ልኡላዊ ሃገርን ዜግነትን ዘለዎ፡ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኑ ዘውደኽደኸ እንተውደኽደኸ ዘይቅይሮ ቀይሕ መስመር እዩ። ነቲ ዝምድና ዝያዳ ንምድልዳሉ እንተኾይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ሰነዳት ሰዲህኤ ተወሪቑ ሰፊሩ እንረኽቦ፡ “ብፖሊሲ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ምዕቃቡ’ዩ። እዚ ኣተሃላልዋ ኣብ መንጎ ኣብ ዶባተን ዝመሳሰል ነባሪ ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝረአ እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጥራይ ዘሎ ኣይኮነን።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰዲህኤ፡ ቅድም ውግኣት ከይካየድ፡ ደሓር ከኣ ህዝቢ ካብቲ ቀዳማይ ስሕታን ተማሂሩ ንከይድገም “ኣይፋልኩምን” ንክብል ክጽዕቱ ካብ ዝጸንሑን ዘለዉን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደባታት ሓደ እዩ። ብመንጽርዚ ኣድላይነት ሰላማዊ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ነባርን ቀጻልን ምዃኑ ዘኽብሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ፍቕሪ ህግደፍ ብዝሓደሮም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ውዒሎም ብዝሓድሩ ልኡኻት ዝቕየስ ኣይኮነን። “ተባኢስናያ ጸኒሕና’ሞ ክንዕረቕ ኢና” ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ወይ “ገ እናበሉኻዶ ትጋገ”ዝበሃል፡ ዘይንሕናስ ኣይትበኣሱ ኢና ዝበልና፡ ካብ ምባሎም ሓሊፍና ካልእ ንብሎም የብልናን። ምስዚ ኩሉ ግና “ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንካልእ ህዝቢ ክኸውን ከምዘይክእል” ነቶም ምስ ህግደፍ ክመሓዘዉ ዝመጣጠሩ ከየተንባህና ኣይንሓልፍን።