ሎሚኸ ምስ መን ተጻሚድካ ንመን ንምጥፋእ’ዮም?

2025-05-08 10:27:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 753 times

ወያነ ጌም ኦቨር >ተኾሊፍና> ጽምዶ!

ህግደፍ ካብ ዝግለጸሎም፡ በብግዜኡ ዝምስርቶ ኢደ-ወነናውን ዘይህዝባውን ዝምድናታት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃላሊ ዝምድናታት ረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእቱ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ካብ ናይ ምንባር  ሕሳብ ጥራ ዝነቅል’ዩ። ህግደፍ ካብ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሃድመሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነዚ ፍኑው ኣካይዳኡ ንምትግባር እዩ። ብሰንኪቲ ዘካየዶ ዘይግሉጽ ዝምድናታት ከኣ ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ጓና ክኾነሉ ዝጸንሐ እዩ።

ህግደፍ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ክጸምዶ ዝጸንሐ ናይ “ስርሕ-ብትን” ዝምድናታት ኣርሑቑ ዘይርኢ ምንባሩ ርኡይ እዩ። ተመኩሮ ዝምድናኡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ደረጃታቱ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንክ’ዚ ዘይቅርዑይ ርክባት ክሳቐ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ኩሉ’ቲ  ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይሓላፍነታዊ ዝምድናታት መንቀሊኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐን ዘሎን ጥልመታትን በለጽን ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድናታት ህግደፍን ኣፈራርሳኡን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። እዚ ዘይርጡብ ዝምድና በቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነናቶም ግደ ዝነበሮም ውድባት ህግሓኤን ህወሓትን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ዝጅምር እዩ። በብግዜኡ ክመሓዘዉን ክበኣሱን ከም ዝጸንሑ ክልቲኦም ከም ኣካል ታሪኾም ዘዘንትውዎ ኮይኑ፡ ናይቲ ዝበኣስሉ ዝነበሩ መድረኻት ተሓታቲ መን ምንባሩ ግና ወትሩ ዝካሰስሉ እዩ። ካብቲ ናይ ዝምድናኦም  ዘይቅዱስ ምዕራፍ  ሓደ፡ ሓቢሮም ኣንጻር’ታ ኣብ ቃልሲ ንነጻነት ኤርትራ ዓብይ ግደ ዝነበራ ተሓኤ ውግእ ከፊቶም  ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዘዳኸምሉ ጭካነ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመዝጊቡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ልዕልና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮ መንግስቲ ኢህውደግን ዝምድና ነይሩ እዩ። “እቲ ዝምድና ብወገን ኤርትራ በየናይ ትካላዊ ኣካል ተመስሪቱ?፡ ዕላምኡ እንታይ ነይሩ? ንህዝቢ ዝነብሮ ጠቓምነትከ ክሳብ ክንደይ እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሱን። ህግደፍ ነቲ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ዝምድና ተጠቒሙ ጉጅላዊ ካዝናኡ ይመልእ ከም ዝነበረ ግና ዝከሓድ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ህግደፍ ክሳብ “ንዶባት ትርጉም ናብ ዘየብሉ ብርኪ ከነብጸሖ ኢና” ዝበለሉ ግዜ’ውን ነይሩ እዩ።

 ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘይግሉጽን ዘይህዝባውን ዝምድና ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኽትል፡ ሰማዒ’ኳ እንተዘይረኸቡ ብዓንተብኡ ዘጠንቀቑ ኣርሒቖም ዝርእዩ ኤርትራዊ ውድባት ነይሮም እዮም። ነቲ ብግብሪ ዝተራእየ ስለ ዘተንብሁ፡ “ናይ  ህዝብታት ሕውነት ዘይፈትዉ” እናተባህሉ ዝተጸርፉ’ውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ግና ሰማዒ ዘይረኸቡ ዝገመትዎ ከኣ፡ እቲ ዝምድና ፈሪሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከቢድ ዕንወት ብዘኸተለ  ወእግ ተሰንዩ ተኸሲቱ።

ድሕሪኡ’ውን ህግደፍ በቲ ቀዳማይ ጌጋኡ ብዘይምምሃርን ብዘይስኽፍታን፡ ነቲ ክቐርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ብምንጻግ  በቲ ኢደ-ወነናዊ መንገዱ ምቕጻል ንከኽእሎ፡  ነቲ ናይ 1997 ሕገመንግስቲ “ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ክጉሕፎ ድሕር ኣይበለን። ንዓመታት ኣድብዩ ምስ ጸንሐ ከኣ፡ “ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘተግብር ቃል ኣትዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ 2018 ናብ ሓድሽ ዕርክነት ምስ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ናብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንምእታው፡ ብክልቲኦም ወገናት “ኣየናይ መንግስታዊ ትካል’ዩ ወሲንዎ? ሎሚኸ ረብሓ ህዝብን ቀጻልነት ናይቲ ስምምዕን ተሓሲብሉ ድዩ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣይኮነንዶ ሽዑ፡ ክሳብ ሎሚ’ውን ኣይተመለሱን።

 እቲ ሓድሽ ስምምዕ’ውን፡ ኣርሒቑ ዘይርእን ስምዒታውን ብምንባሩ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብዘይምምሃሩ፡ ነዊሕ ዕድመ ከምዘይህልዎ፡ ናይ ብዙሓት ተረድኦ ነይሩ። “እዞም ብኣተሓሳስባን ብዝኽተልዎ ፖሊሲን ዘይሰማምዑ መራሕቲ እንታይ ንምርግጋጽ እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ?  ዝብል መሰረታዊ ሕቶ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን በተደጋጋሚ ዝለዓል ዝነበረ እዩ።

ህግደፍ ምስ ብልጽግና ምዝማዱ ምስ ኣወጀ፡ ነዊሕ ከይጸንሓ ኣብቲ ምግማቱ ዘጸግም ጉድኣት ዘኸተለ ውግእ ትግራይ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትዩ።  ኣብዚ’ውን ከምቲ ናይ ቅድም፡ ብወገን ኤርትራ “ኣየናይ ትካላዊ ኣካል’ዩ  ሓላፍነት ወሲዱ ናብቲ ውግእ ንምእታው ወሲኑ?” ዝብል ሕቶ፡ ብብዙሓት ዝተላዕለ ኮይኑ፡ መልሱ  ከም ናይቲ  ዝቐደመ ሕቶታት “ኢሳያስን ጉጅለኡን” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ መልሲ ኣይነበረን። ድሕሪ ውግእ ትግራይ  “ተኾሊፍና” ዝበለ’ውን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ውግእን ኣሉታዊ ውጽኢቱን፡ ካብ ካልእ ሲቪላዊ ወይ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ህግደፍ ዝተሰምዐ ድምጺ ኣይነበረን። ብመሰረቱ’ውን ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይምራሕ ስርዓት፡ “ፓርላማ እንታይ ኢሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትከ  እንታይ ደጊሙ?” ኢልካ ክትሓትት  ዝሕሰብ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን። እቲ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ  ዝተኻየደሉ ክልል ትግራይ ዘውረዶ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ብብዙሕ ዘሳቕቕ መልከዓት ዝግለጽ ምንባሩ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ዝመስከርሉ  እዩ። ብወገን ኣካላት ህግደፍ’ውን ኣብ ዙርያኡ ዘይተነዝሐ ናይ ጽልኢ መርዚ ኣይነብበረን።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ’ውን  ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸሞ ኣሉታውን ዘይሓላፍነታውን ተግባሩ ከይተማህረ፡  ምስ ክልል ትግራይ “ጽምዶ” ዝበሃል ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ናብ ምፍጣር ትንዕምንዕ የርኢ’ሎ። ወዮ ኣብ ንቡር ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ካብ ሓጋጊ ወይ ፈጻሚ ኣካልን  ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላትን እትጽበዮ ውሳነ፡ ብሓደ ስም ዲክተረር  ኢሳያስ ጸሪሑ፡ መራሕ መንግስተይ ልኢኹኒ እንዳበለ ዝግዕርን፡ ተራ ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳ ሰባኺ ባእታ፡ “ንህወሓት ዝድግፉ  ጋዜጠኛታት ናብ ኤርትራ ንክኣትዉ ተፈቒድሎም፡ ደጊም ትግራይ ብ360 ዲግሪ ኣይክትዕጾንያ፡ ከም ምስ ህዝቢ ሱዳን ዝገበርናዮ ምስ ህዝቢ ትግራይ ተኻፊልና ክንበልዕ ኢና፡” ዝብል፡ ኣብ ተጋሩ ዘማጉት ዘሎ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ተሰሚዑ። ነዚ መልእኽቲ ክሳብ “ወደባት ኤርትራ ንትግራይ ክኽፈት’ዩ”  ዝብል ዝመጥዎ ወገናት’ውን ኣለዉ። እዚ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ክነሳ፡ ንሓላፍነት ፈደራል መንግስቲ ዘንጊዕካ፡ ክግበር ዝድለ ዘሎ ጽምዶ፡ ነቲ “ንኢትዮጵያ ክትገዝኣ እንትኮይንካ ፋሕፋሕ ከነብላ ኣለካ” ዝብል ዓመጸኛ ብሂል መራሕቲ ህግደፍ ዘንጸባርቕ’ውን ይመስል።  

እቶም “ንጽምዶ” ዝዕደሙ ዘለዉ፡ ነቲ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ንካልእ ህዝቢ ኣይከውንን እዩ” ዝብል ተደጋጋሚ መልእኽትና ከመይ ይርድእዎ ንዓኣቶም ዝምልከት’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሕያል ሰናይ ዝምድናታት ተቓውሞ ከምዘይህልዎ ርዱእ’ዩ። ግና ድማ ብጉልባብ ዝምድና፡ ልኡላውነት ክጠሓስ እንከሎን ኣብ ጉዳይ ካልኦት  ኢድ ምእታውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ዝግንዘብ ህዝቢ እዩ። ልኡላውነትካ ምዕቃብ ካብ ምኽባር ናይ ካለኦት ልኡላውነት ፈሊኻ ከምዘይርአ ህዝብና ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ዝረጋገጽ ከኣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ብምትካልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምኽታልን እዩ እሞ፡ ምእንታኡ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ክሳብ ዓወት  ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።

Last modified on Thursday, 08 May 2025 12:43