ብር ኢትዮጵያ ተቐይሩ፤ ናይ 200 ሓዲሽ ናይ ወረቐት ገንዘብ ተኣታትዩ
ምንጪ ስእሊ,ABIY AHMED/TWITTER
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ መተዓዳደጊ ብር [ባጤራ] ኢትዮጵያ ከም ዘተኣታተወ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሕመድ ብትዊተር ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ናይ 10፣ 50ን ሓደ ሚኢቲ ብርን ክቕየሩ እንከለው፡ ሓድሽ ናይ 200 መተዓዳደጊ ናይ ቀረቐት ገንዘብ ከም ዝሓተመ ገሊጹ።
እቲ ሓድሽ ቅርሺ /ጤራ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ብልሽውናን ኮንትሮባንድን ኣብ ምቁጽጻር ክሕግዝ እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ናይ ወረቐት ብር ቅድሚ 23 ዓመት ብ1990 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድሕሪ ኢትዮ-ኤርትራ ተቐይሮም ናብ ስራሕ ከም ዝኣተው ይፍለጥ።
ካብ ስርዓት ሃይለስላሰ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ናይ ወረቐት ኖታት ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜያት ዝተቐየሩ ኮይኖም፡ ናብ 50 ዓመታት ኣብ ዝጽጋዕ ናይ ስልጣን ግዜ ኣርባዕተ ግዜ ተቐይሩ'ዩ።
ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ነቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኣወጊዱ ስርዓት ምስ ሓደ ብ1969 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ምስሊ እቲ ንጉስ ዝነበሮ ቅርሺ ክቕሩ ገይሩ።
ብተመሳሳሊ ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ገንዘብ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ- ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቅየሩ ምግባሩ ይፍለጥ።
ባጤራ ምቅያር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ ኮይኑ፡ ኤርትራ ነቲ ኣቐዲማ ትጥቀመሉ ዝነበረት ባጤራ ኣብ 26 ታሕሳስ 2015 ከም ዝቐየረቶ ዝዝከር እዩ።
ብዝለዓለ ዝቕባበ ዋጋ ዝተሃሰየት ሃገረ ቬነዝወላ'ውን፤ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊ ቅልውላው ንምፍዃስ ን2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ስማዊ ባጤራ ዕላዊ ገይራ'ያ።
እቲ ሓድሽ ብር፡ ብጸጋታት ነዳዲ፣ ጋዝ፣ ወርቅን ኣልማዝን ከም ዝሕገዝ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ኤዥያ'ውን ህንዲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምክዕባት ገንዘብን ብልሽውናን ንምቅላስ ናይ 500ን ሓደ ሽሕን ሩፒ ኣብ ሓደ ለይቲ ክቅየር ምግባራ ይዝከር።
ኣብ መወዳእታ 2019 ኬንያ'ውን ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ሽሊንግ ብምእካብ፡ ናይ 50፣ ሓደ ሚኢቲን ሓደ ሽሕን ባጤራ ቐይራ'ያ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረብን ዝተፈላለየ እምነታት ዝኣምንን ሕብረተሰብ ከም ዘሎ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ኣህዛብ ናይዛ ዓለምና ብዓለማውን መንፈሳውን ሕጊ ተገዚኡ ዝኸይድ ከም ምዃኑ መጠን፥ ኣብ ኣተገባብራኡ፡ ምእዙዝነቱን ተኣማንነቱ ኣብቲ ሕግን ምስቲ ዘለዎ ባህልን ልምድን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሓደ ካብቲ መንፈሳዊ በዓላት ሓዲሽ ዓመት ዝብል ክንወስድ ንኽእል።
ኣብ ዓለምና እምበኣር ብመጠን እቲ ባህልን ልምድን መንፈሳዊ ሕግን ናይቲ ሕብረተሰባት (societies) ክቑጸር ይኽእል።ኩሉ ህዝቢ ሓዲሽ ዓመት ክዝከር ከሎ ኣብ ኣእምርኡ ብዙሕ ተዘክሮታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ በቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ዝሰጋገርዎ ዘለዉ ሓዲሽ ዓመት ገሊኡ ሓሚሙ፥ ካብ ሞት፥ ድሒኑ ብጥዕንኡ ምጽንሑ ከመስግንን ንዝመጽእ ዓመት ድማ ብሩህ ተስፋ ክኾነሉ ይምነን ይጽልን።
ሓዲሽ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ኩሉ ኣብ ሓደ ዕለትን ወርሕን ኣይኮነን ዘብዕሎ። እንታይ ደኣ ኣብ ዝተፈላለየ ዕለትን ወርሓትን ኢዩ ዘብዕሎ። እተን ኣዋርሕ ከኣ ጥሪ (Jamuary) ለካቲት- ውይ መጋቢት፥(February or March) ሚያዝያ (April) መስከረም (September) እየን። ኩሎም ዝተፈላለየ ወግዕታት (traditions) ልምድን (customs) ስለዝውንኑ ከከም እቲ ልምዶምን ወግዕታቶምን ኣብ ዝተፈላለየ ዕለትን ወርሓትን ሓዲሽ ዓመት ከብዕሉ ከለዉ ምኽንያት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ወይ ካብ ወለዶ ንወለዶ ክሰጋገር ዝጸንሐ ወይ እውን ካብ ካልእ ባህልታት ዝተወርሰ ክኸውን ይኽእል።
ብዝኾነ ግን ሓዲሽ ዓመት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝሓሸ ክኸውን እተዘኻኽረሉን፥ ሓዲሽ መደባት እትትልመሉን፥ ከምኡ እውን ብሃይማኖታዊ ሸነኽ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይቕረ ክትብህሃልን ዝደፋፍእ ዕለት እዩ። ወዲ ሰብ ግን ስሱዕ ስለዝኾነ በቲ ዝሓለፈ ክቕጻዕን ካብ ሕማቕን ክፉእን ተግባራት ክቑጠብን ስለዘይክእል ናብታ ሓዳስ ዓመት’ውን ተመሊሱ ናብ ጭቃ ኢዩ ዝጎዓዝ። ንኣብነት ንሕጊ ትራፊክ ተኸተል ማኪናኻ ብናህሪ ኣይትኺድ ንዝበሃል ናብታ ሓዳስ ዓመት’ውን በቲ ዝተባህሎ ገዲፉ ብፍጥነት ክኸይድ ይጅምር። ኣብታ ዝሓለፈት ዓመት ናይ ምቅትታል ይኹን ንደቂ ሰባት እንተስ ብዓሌት ወይ ብሃይማኖት ወይ እውን ብፖለቲካዊ ጸጊዒነት ኣሳቢብካ ዝግበር ግፍዒ ተመሊሱ ክደግሞ ኢኻ ትዕዘብ።
ሓዲሽ ዓመት እምበኣር ኩሉ ግዜ ናይ መዘኻኸሪ፡ ምስ ነፍኻ እትመራመረሉን ካብቲ ዝሓለፈ ፍለይ ዝበለ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ኢልካ እትሓስበሉን ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ማለት ካብቲ ትሓስቦ ዝነበርካ ሕማቕ ሓሳባት ይኹን ናይ ተንኮል ስራሓት ንምስትውዓልን ምብርባርን ዝሕግዝ ናይ ሰዓት ደውል እዩ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። ንሓዲሽ ዓመት ክነብዕሎ ከሎና ዝኾነ ይኹን ስምዒት ይሃልወና ብዘየገድስ ነቲ ዓለማውን መንፈሳውን ሕግታት ክንክተል ናይ ግድን እዩ። ግን ስለምንታይ ኢና እነብዕሎ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ።
እቲ ቀንዲ ንሓዲሽ ዓመት ምኽባር ብእምነት ወይ ባህሊ ተደሪኽና ዲና ወይ ዕላማ ኣሎና ንዝብል ውን ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ብዝኾነ ግና እቲ ንሓዲሽ ዓመት ክነብዕሎ ከሎና ዋላ እኳ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንታይ ከምዝነበረን እንታይ ከምዘሕለፍናን ኩሉ ጽቡቑን ሕማቑን ምናልባት ኣብታ ሰዓት ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዲሽ ዓመት እንሰጋገረላ ደቒቕ ኣይንዝክሮን ንኸውን። ምኽንያቱ ኩሉ ሓሳባትና ናብቲ ዝመጽእ ሓዲሽ ዕለት ኢዩ ክኸውን። ይኹን እምበር ነቲ ሓዲሽ ዕለት ቅድሚ ምቕባልና ይኹን ምስግጋርና እቲ ዝሓለፈ ዓመት ከመይ ነርና፥ ምስ መን ተዃሪና፥ ምስ መንከ ተጻሊእና፥ እንታይ ሽግር ኣሕሊፍና፥ ንካልኦት ሽጉራትን ዝተጻገሙን ናይ ምሕጋዝ ይኹን ምዕንጋል እንታይ ኣስተዋጽኦን ምትሕብባርን ገርና ዝብሉ ገምጊምና፡ ንብድሕሪ ሕጂ ዝመጽእከ እንታይን ዝሓሸን ተግባራትን ባህሪያትን ናይ ምምሕያሽ ውሳኔ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ።
ንዝመጽእ ዓመት ኩሉ ሕልናና ንጽቡቕን ሰናይን ተግባራትን ኣብ ምፍጻም እንተዘይወጊንናዮ ነቲ ዝሓለፈ ጉድለታትናን ጌጋታትናን ደጊምና ክንፍጽሞ ኢና ማለት እዩ። ስለዚ ለውጢ ኣይገበርናን ከስምዕ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ዝሓለፈ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዲሽ ዓመት ክንሰጋገር ከሎና ንኣተሓሳስባና ካብቲ ዝነበረ ከነመሓይሽን ክንቅይርን ኣብ ነፍስና ለውጢ ክንገብር እንተዘይክኢልና ነፍስና ንጥብር ኣሎና ኢዩ ዘስምዕ።ሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ነፍሱ እንታይ እንታይን ለውጢ ክገብር ከም ዝግበኦ ነቲ ዝሓለፈ ህይወቱን ትግባሬኡን ክምርምሮን ዘጓነፎ ጸገማትን ዝፈጸሞም ጉድለታትን ክፍትሽ ከሎ ኢዩ ዝረኽቦ። ንኣብነት እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት፥ ብምኽንያት እዚ ቀዛፊ ዝኾነ ሕማም ለበዳ ንህዝብና ኣደዳ ጥምየትን፥ ስራሕ ኣልቦነትን ኣቃሊሕዎ እንከሎ፥ ሃገርና ንቕድሚት ትግስግስን ትምዕብልን ኣላ እናበልካ ዓይኒ ዘውጽአ ሓሶት እናነዛሕካ ዝሓለፍካዮ ንኽንደይ ሰባት ከም ዝልክምን፥ ከምዝፈላልን ዘንጊዕካ ዝግበር ለውጢ የለን።
እወ! ኩሉ እቲ ጽቡቕ ንምግባር እንሓስቦን ክንኮኖ ንደልዮን ብምሉኡ ኣይንፍጽሞን ንኸውን። ምኽንያቱ እቲ ንኹልና ዝገዝኣና ናይ ምንባር ሕቶ፡ ንናይ ውልቅኻ ምንባር ሓሳብ ስለ ዝዕብልል እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ንመላእ ሕብረትሰብ ዝሃስን ዝደቁስን ሸነኽ፡ ምስቲ ናይ በይንኻ ረብሓ ብምትእስሳር ንናይ ካልኦት ወጽዓን፥ ግፍዕን መከራን ከምዘይስማዕ እዩ ዝገብር። እዚ ምእንቲ ንናይ ውልቅኻ ረብሓ ክትብል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ግፍዕን መከራን እናተፈጸመ ከምዘይተፈጸመ ጌርካ ምቕራብ፡ ኣብቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ሕማቕ ኣሰራት ኢዩ ዝገድፍ። ስለዚ ረብሓኻን ድሌታትካን ንምርዋይ፥ ንጌጋታትን ሕማቕ ተግባራትን ዓገብ ክትብል ዘይትኽእል ፍጡር እንተዀንካ ሓዲሽ ዓመት ነዓኻ’ውን ኣይንታይካን እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከመይ ጸልይዎም?
Wednesday, 09 September 2020 11:35 Written by Menasmerምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝነብሩ ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ከመይ ጸልዩዎም?
ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዝመጽእ 3 ሕዳር 2020 ክካየድ እዩ፡፡ እቲ መረጻ ብቐንዱ ጉዳይ ኣመሪካውያን ይኹን እምበር ውጽኢት መረጻ እታ ኩለመዳያዊ ጸብለልታ ዘለዋ ሃገር፡ ዳርጋ ንመብዛሕተአን ሃገራት ዓለም ስለዝጸሉ ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝወስድ ጉዳይ እዩ፡፡
ብምኽንያት ኣንጻራዊ ናይ ፖሊሲ ፍልልያት፡ ኣብታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብሩላ ኣመሪካ ዝካየድ መረጻ፡ ነቶም ስደተኛታት አዐርዩ እዩ ዘገድሶም፡፡
ከም ጸብጻብ ትካል ፖሊሲ ስደት (ኤምፒኣይ) ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ኣብ ኣመሪካ ቁጽሪ ስደተኛታት 44.7 ሚልዮን ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ኣስታት 15 ምኢታዊት ካብ ብዝሒ ህዝባ ኣመሪካ እዩ። ፡
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን 278 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ 45 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለው ጸብጻብ ይሕብር፡፡
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ መንበረ ስልጣን ዝተረከበ ኣባል ውድብ ሪፐብሊካን ፕርዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ እዋን ንኻልኣይ እብረ ኣብቲ ጻዕዳ ቤተ-መንግስቲ ዘጽንሖ ድምጺ ንምርካብ ምስ ሕጹይ ዲሞክራት ጆ-ባይደን ብድምጾ ይጠማጠም ኣሎ።
ስደተኛታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ምሕደራ ትራምፕ ከመይ ይገልጹዎ?
ኢትዮጵያዊ ኪሮስ ኣርኣያ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብ ዓውደ ፋይናንስ ዝነጥፍ ሞያዊ እዩ፡፡
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ኣቶ ኪሮስ፡ ገና ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊትውልዲ ባራክ ኦባማ ዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶታት ከም ኣብነት ይጠቅስ፡፡
''ኦባማ ኣብዚ ኣይተወለደን፤ ኣብዚ ዓዲ ተወሊዱ እንተኾይኑ ከርኢ ኣለዎ እናበለ የንበድብድ ነይሩ፡፡ ሓደ ጊዜ ኣብ ኬንያ ሓደ ጊዜ ኣብ ኢንዶኔዥያ ተወሊዱ እናበለ ክሲ የቕርበሉ ነይሩ'' ዝብል ኣቶ ኪሮስ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሃዋይ ከምዝተወለደ ዘረድእ ወረቐት ከቕርብ ተገዲዱ ከምዝነበረ ይዝክር፡፡
ምንጪ ስእሊ,ኪሮስ ኣርኣያ
ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኑ መስተመረጸ ድማ ግዜ ከይወሰደ ስደተኛታት ዝኣትዉሎም ኣፍደገታት ናብ ምዕጻው ከምዝኣተወ ይገልጽ፡፡
''ምስ ሜክሲኮ ዘሎ ዶብ፡ ሳውዝ ቦርደር ኢሎም ዝጽውዕዎ ዶብ ክጸብብ፡ ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ሓደሽቲ ሓለውቲ ዶብ ቖጺሩ '' ይብል፡፡
ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምቕናስ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዋስን ዶብ ኣመሪካ ኣስታት ክልተ ሽሕ ማይል ሓጹር ንምስራሕ ዝገበሮ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ስደተኛታ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ሓደገኛ ምዃኑ መረጋገጺ ከምዝኾነ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ ይገልጽ፡፡
ኣብ ህጻንነታ ምስ ኤርትውያን ወለዳ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአት ኣድያም ሃይለሩፋኤል፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ተሓላቒት መሰል ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይና ክትንቀሳቐስ ጸኒሓ፡፡
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ዘንበሮ ናይ ጉዕዞ እገዳ ልክዕ ከምዘይኮነ እትገልጽ ኣድያም፡ ''እዚ እገዳ ብኣብዝሓ ካብተን ሃገራት ንዝመጽኡ ምሁራት እዩ ጽልዋ ዘለዎ'' ትብል፡፡
እቲ ዝኽፍአ ናይቶም ብሊብያ ካልኦት ሃገራትን ኣቢሎም ብዶብ ሜክሲኮ መጺኦም '' ዕቑባ ንምርካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋትና እዩ'' ትብል፡፡
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጵያውያን ዝሓለፈ 1 ለካቲት፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንሃገራት ኤርትራ፣ ኪርጊስታን፣ ማንያማር፣ ሱዳን፣ ታንዛንያን ናይጀርያን ናይ ጉዕዞ እገዳ ከምዝገበረን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ስሩዕ ሰነድ ኣብ ኣመሪካ ዝብሩ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምውሳድ ኣይተሓባበረን፣ እታ ሃገር ኣብ ጉዳያት ድሕነትን ጸጥታን ንምስራሕ መንግስቲ ኣመሪካ ንዘንበሮ መምዘኒ ኣየማለአትን ዝብሉን ምኽንያታት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ቐሪቦም ነይሮም፡፡
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ነቲ ኤርትራውያን ኣብ ኣሜሪካ ብቐዋምነት ክነብሩ ዘኽእል ቪዛ ከይረኽቡ ዝኽልክል እገዳ ዘይኮነስ ነቶም ዝቐረቡ ምኽንያታት እዩ ተቓዊሙ፡፡
ምሕደራ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክነጻጸር እንከሎ፡ ምሕደራ ኦባማ ንስደተኛታት ዝሓሸ ከምዝነበረ እያ ተጣባቒት መሰል ሰደተኛታት ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል እትገልጽ፡፡
''ብርግጽ ባራክ ኦባማ እዩ ዝሓይሽ፡፡ እቲ ናይ ዲሞክራት ፖሊሲ ኣብ ስደተኛታት ትኹረት ይገብር እዩ፡፡ ደሞክራት፡ ነቲ ኩነታት ዝርድኡን ኩሉ ጊዜ እናማዕበሉዎ ዝኸዱን እዮም'' ትብል፡፡
ምንጪ ስእሊ,ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል
ብተወሳኺ መንግስቲ ባራክ ኦባማ ኣብ ኤርትራ ንዝበረ ጸገም ምሕደራ እውን እንተኾነ ኣቓልቦ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዝነበረ ትሕብር፡፡
ማዕከን ዜና ኤቢሲ፡ ቁጽሪ መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሃገሮም ዘባርሮም ኤርትራውያን እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓቢሩ ነይሩ፡፡
ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ጉንበት ኣስታት 936 ኤርትራወያን ናብ ሃገሮም ክባረሩ ከምዝተወሰነ ግን ገና ኣብ ቁጽጽር ከምዘይወዓሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኤቢሲ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ግንቦት ጥራሕ ልዕሊ ዓሰርተ ኤርትውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተሰጉ ይሕብር፡፡
''ቀዳምነት ንኣመሪካ'' ዝብል ፖሊሲ ዶናልድ ትራምፕ፡ እታ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ንዝህልዋ ምሕዝነት ከምዘጉደሎ ዝገልጽ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እውን ዝተፈለየ ከምዘይነበረ ይገልጽ፡፡
ብተወሳኺ '' ናይ ኣመሪካ ስርዓት ብዛዕባ ትራምፕ ጥራሕ እውን ኣይኮነን'' ዝብል ኣቶ ኪሮስ፡ ናይ ኣመሪካ ጥቕሚ ይሕሉ እዩ ኣብ ዝበሃል ኩሉ ኢድካ ምእታው ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣካል ፖሊሲ ወጻኢ እታ ሃገር ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ''ድኽመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓዊስዎ'' ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ዝተርኣየ ነገር ከም ኣብነት የልዕል፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ዓለማዊ ባንክን ኣብ ሰሉሳዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ክሕወሱ ምስምምዑ፡ ብደገን ውሽጥን ቀሊል ናብ ዘይበሃል ፖለቲካዊ ጽዕንቶ ኣእትይዎ እዩ፡፡
ቅድሚ ስምምዕ፡ ሰለስቲአን ሃገራት እቲ ግድብ ማይ ከይመልእ ብወገን ኣመሪካ ዝቐረበ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታን፡ ብተቓወምቲ ኣብዪ ኣሕመድ ''ነቲ ግድብ ሸይጥዎ'' ዝብል ክስን፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሕማም ርእሲ ፈጢሩሉ እዩ፡፡
ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ኢትጵያውያን ንምትእትታው መንግስቲ ዶናልድ ትራምፕ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም እዮም፡፡
ኮይኑ ግና ንጉዳይ ግድብ ህዳሰ ነኺሱ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ብዘይ ምቕባላ፡ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝግበረላ ሓገዝ ክሳብ 130 ሚልዮን ዶላር ክቕነስ ከምዝኽእል ኣብ ቀረባ መዓልታት ተገሊጹ ኣሎ፡፡
ካብ ቀጻሊ መረጻ ኣመሪካ እንታይ ይጽበዩ?
ምንጪ ስእሊ,REUTERS/GETTY መግለጺ ስእሊ, ትራምፕን ጆ ባይደንን
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ጸለምቲ ኣባላት ኮንግረንስ ውድብ ዲሞክራቲክ፡ ናብ ሳንድያጎ መጺኦም፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዘዘራረብዎም እትገልጽ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል፡ ኣብ መንጎ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዘለዉ ስደተኛታት ዘለውሉ ኩነታት ምስረኣዩ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ትዛረብ፡፡
''ገሪሙዎም፡ ክንድኡ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ከምዘሎ፡ ከምኡ ዓይነት ቅልውላው ከምዘሎ ኣይፈልጡን ነይሮም'' ትብል፡፡
ኣባላት ውድብ ዲሞክራት ብተነጻጻሪ ንስደተኛታት ዝሓሸ ምድንጋጽ ከምዘለዎም እትገልጽ ኣድያም፡ ኩሎም ኣባላት ሪፐብሊካን ብፖሊሲ ደረጃ ኣንጻር ስደተኛታት እዮም ምባል ከምዘይከኣልን ብዙሓት ንጉዳይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብኣወንታዊ ከምዝጥምትዎን ትዛረብ፡፡
ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ክፍጸሙ እዮም ኢሉ ዘይሓሰቦም ነገራት ከምዘረኣየ እዩ ዝገልጽ፡፡
''ቤተ ሰብ ምስደቆም ክፈላሊ ጀሚሩ፤ 10 ሽሕ ዝኾኑ ሓደሽቲ ተቖጻጸርቲ ቆጺሩ ገዛ ንገዛ እናዘሩ፡ ሰባት ደቆም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብጺሖም ክምለሱ እንከለው ጨውዮምዎም ይኸዱ'' ብምባል ብዙሓት ካብ ኣባላት ስድረኦም ተፈላልዮም ከምዝተባረሩ ይዛረብ፡፡
ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ነታ ሃገር ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈላ ዝገልጽ ኣቶ ኪሮስ፡ ብዙሓት ደገፍቱ ዝነበሩ ኣባላት ሪፐብሊካን ይርሕቕዎ ከምዘለዉን ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ መረጻ ናይ ምስዓር ዕድሉ እናጸበበ ይመጽእ ምህላው ይገልጽ፡፡
ኩሉ ሳዕ ሓበራዊ ጻዕሪ ነበርቲ ኣመሪካ ስደተኛታት፡ ኣብ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣመሪካ ጸቕጢ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ኣቶ ኪሮስ ኣርኣያን ኣድያም ሃይለ ሩፋኤልን ይሕብሩ፡፡
ሃገርና ኤርትራ ብዙሕነታዊት እያ። ብዙሕነታ ብብዙሕ መልከዓት ይግለጽ። ሃይማኖት፡ ቋንቋ። ብሄር፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣን ኩነታት ኣየርን ኩሎም ናይ ብዙሕነታ መግለጺታት እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣተሓሳስባ እውን ኣብቲ ኤርትራዊ ብዙሕነት ቦታ ኣለዎዩ።
ኩሉዚ ብዙሕነት ካብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ክሳብ ዘይወጸን ብምክእኣል ክሳብ ዝተመሓደረን መልክዕናን ጸጋናን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ብግብሪ እውን እዚ ብዙሕነትና ኤርትራ ብግብርን ብሕግን ልኡላዊት ክትከውን ናይ ዘኽኣለና ዓቕሚ ምንጭን ምስጢርን እዩ። “ሓድነትና ከም መርዓት ዓይንና ይተሓሎ” ክንብል እንከለና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና ኣብ ክሊ ሕቑፊ ኤርትራውነት ብማዕረ ክመሓደሩ ኣለዎም ማለትና እዩ። “ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እሞ መፍቶ እቶም ብሓድነትና ዘይሕጐሱ ወገናት ከይንኸውን” እንጥንቀቕ ከኣ ወይ ሓደ ካብዞም መግለጺ ሓድነትና ካብ ሕቑፊ ምዕሩይ ኤርትራውነት ወጺኡ ጸብለል ክብል ክፍትን እንከሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ወገን ነቲ መግለጺ ብዙሕነትና መዝሚዙ ምክብባር ኣህሲሱ “መን ከማይ” ብዝብል ኣብ ጸቢብነት ከኹድድ ክፍትን እንከሎ እዩ።
ነቲ ኣብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ኣሳንዩ ክመሓደር ዝግበኦ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ብሄርን ዝኣመሰለን መጢጥካ ዝፍጠር እሞ ብሚዛናዊ ምክእኣልን ምጽውዋርን ዘይምሓደር ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምርባሕ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክረአ ከም ዝጸንሐን ሎሚ እውን ጌና ምሉእ ብምሉእ ቦታ ከምዘይለቐቐን ኩልና እንፈልጦ እዩ። ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ብሰንኪ ዘይውሕሉል ኣተሓሕዛ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ክሳብ ክንዳይ ዘይኣድላይን ኣዝዩ ክቡርን ዘኽፈለን ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝያዳ ዝኸበደ ዝኸውን ከኣ ሎሚ’ውን ነቲ ናብኡ ዘብጸሐ ተመኩሮቲ ክንመሃረሉ እንተዘይክኢልና እዩ።
ከምቲ “እታ ኣደ ትብል ንጐይበይ፡ እታ ጓላ ከኣ ንገዝመይ” ዝበሃል፡ ብዘይካ ውሱናት ሕድሪ ህዝቦም ዝጠለሙ፡ ኩልና ኤርትራውያን፡ እንውደቦ፡ እንቃለሶ፡ እንውስኖ፡ እንእውጆ ኮነ እንጭረሖ፡ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን እዩ። ናይቶም ተወዲብና እንቃለስ ዘለና ረብሓ እውን ኣካል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ እዩ። እዚ መሰረታዊ ዕማም ዝዕወትን መሰረታውን ቀጻልን ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዝረጋገጽን ከኣ እቶም ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፍና ዘለናን መላእ ህዝብናን “ንሕና ሓቢርና ንህዝብናን ሃገርናን” ዝብል ዘይኣግላሊ መትከል ኣብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክትከል እንከሎ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መስርዕ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ምብዛሕ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘሰክፍዎ ተረኽቦታት ሓደ እዩ። ቀንዲ ምኽንያት መሰከፊኡ ከኣ እቲ ሓቢሩ ለውጢ ከምጽእ ዝግበኦ ዓቕሚ ተኸፋፊሉ ንከይደክም እዩ። ብውዳበ ደረጃ ምብዛሕና ጌጋን ናይ ምድካምና መሰረታዊ ጠንቅን ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነና። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ሃገር ካብቲ ብዙሕነት ዝነቅል ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ክፍጠርን እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ዝፈጥሮ ብዝሒ ውዳበታት ክረአን እምብዛ ዘሰክፍ ኣይመኾነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብዝሒ ውዳበታት ርትዓዊ እዩ ንምባል ኣይኮነን። እምበኣር እቲ ቀንዲ ዘሰክፍስ እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ኮነ ናይ ኣወዳድባ ብዙሕነት ካብ ሕቑፊ ኤርትራውነት ምስ ዝወጽእን ኣብ ምክእኣልን ምትሕልላይን ዘትከለ ዝምድና ክበኩርን እንከሎ እዩ። ካብ ሓደ ውደባ ንላዕሊ ምዃንን በዚ ኣገባብዚ ተቓሊስካ ምዕዋት ከም ዝከኣልን ብናይ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ምስትውዓል እውን ኣገዳሲ እዩ።
ተኸኣኢልና ብሓባር እንተዘይሰጒምና ናይ ዝተወሰነ ውዳበ ኣተሓሳባ ወይ ዓቕሚ ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራዊ ዓቕሚ ከም ዝደክም ምስትውዓል የድሊ። በዚ መስረት ኢና ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ብሓባር ምቅላስ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ እንብል። ብሓባር ዘይምስጓምና ዓቕምና ዘዳኽም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ካብ ምፍልላይና ዝዕንገሉ ኣፍረስቲ ኣካላት ዕድል ዘስፍሕ እዩ። ሎሚ ሃገርና ኣይኮነንዶ እንዳተመናጨትናን እንዳተነዓዓቕናን እንዳሳነናን እንዳተኸኣኣልና እውን ምብድሁ ኣብ ዝኸብደና ወጥሪ እያ ዘላ። እቲ ሎሚ እውን ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ግና ካብ ውሽጥን ወጻእን ተጻባእቲ ዝበዝሕዎ ዘለዉ ልኡላውነትና ናይ ምሕላው ሓላፍነትና፡ ምስቲ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕማምና ተደሚሩ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ንዘሎ ብደሆ የኽብዶ።
ብሰንኪ ኢሳያስን ገለ ካብ ተለኣኣኽቱን በብግዜኡ “ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍልላይ ይድግፍ እዩ ዝብል እንተልዩ ኣትሪረ ክካተዖ ድልዊ እየ (ኣቶ ካሳ ከበደ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ደርጊ)፡ ኣቶ ኢሳይስ ካብ ቀደም ጀሚሮም ሓንቲ ኢትዮጵያ ክትህሉ እዮም ዝድግፉ ነይሮም (ኣቶ ለንጮ ለታ ሓደ ካብ ነባራት መራሕቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ)፡ ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ …….. ኣነ ብተደጋጋሚ ኢለዮ ኣለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ዶር ኣብይ ኢኻ ትመርሓና፡ እዚ ዘረባ ከጸብቕ ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮነን።. ኣነ ከኣ ኣብ ጐኑ ኣለኹ (ኢሳያስ ኣብ ብሄራዊ ቤተመንስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣዳራሽ ሲዳማ ኣዋሳን)፡ ንሕና ክልተ ህዝቢ ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ ኢና …….. ዶር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና። (ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ)” ዝብሉ ኣበሃህላታት ንዘስተውዓለ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ውሁድ ናይ ሓባር ስጉምቲ ዝሓትትን ምዃኑ ምርዳእ ኣይጽገምን። ናይ ኣግኣዝያንን ካለኦት ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክቖራርሙ ዝደልዩ ወገናትን ጠልቆምቆም እንተወሲኽካሉ ከኣ መሊሱ ይኸብድ። እንተኾነ ኣብ ክሊ “ኩሉ ኣብ ሕቑፊ ኤርትራውነት” ክሳብ ዝጸናዕና ንኹሎም ክንስዕሮም ናይ ግድን እዩ።
መግልጺ ብመኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና
Thursday, 03 September 2020 19:55 Written by ሽማገለ ጥርናፈ ፖሎትካዊ ውድባትን ሰልፍታትን አብ ጀርመንጉጅለ ህግድፍ ኣብ ዝምድናዊ መዳይ ካብ ዝልለየሎም ተግባራት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ስልጣኑ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ውግእ ምእታዉ እዩ። ምስ ገሊአን ካብተን ጐረባብትና ሃገራት፡ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ከም ዝተዋግአ ኩልና ዘይንርሰዖ እዩ። እዚ ጉጅለ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ምስ ኩለን እዘን ዝተዋግአን ሃገራት ናይ ሓጺር ግዜ ፍቕሪ ከም ዝነበሮ ኣብ መስርሕ ዝተዓዘብናዮ እዩ። ካብ ናይቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኻየደ ውግኣት ጠንቅታት፡ እቲ ቀንዲ ናይቲ ጉጅለ ኣደልዲሉ ዘይረገጸ መሕደሲ ግዝያዊ ጠቕሚ ዝቕርም ስንኩፍ ዲፕሎማሲያዊ ስልቲ እዩ።
ብግብሪ ክንርእዮ ከም ዝጸናሕናን ዘለናን፡ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ናይ ርሑቕ ይኹን ናይ ቀረባ ሃገራት ቀልጢፉ ዝፈሽል፡ ክስረት እንከሎ እውን፡ ብትዕግስትን ኣርሒቕካ ምርኣይን ዘይተነድቀ፡ ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘየቐድም ስለ ዝነበረ እዩ ዘበርዕን። እዚ ጉጅለ ዝምስርቶ ዝምድናታት ኩሉ እንተተዓዚብና ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ናቱ ረብሓኡ ዝተሰረተ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ የመን ጽቡቕ ዝምድና ነይርዎ። እቲ ጉጅለ ነዚ ተጠቒሙ ሓያሎ ኣብ ቤተመንግስቲ ዘገልግላ ዘመናዊ ተሽከርከርቲ ካብ መንግስቲ የመን ከም ዝረኸበ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝዝረብ ዝነበረ እዩ። እዚ “ዝበለዓሉ ጻሕሊ ዝሰብር” ጉጅለ ጸቢብ ረብሓኡ ምስ ጐደሎን ዓቕሉ ምስ ጸበቦን ከኣ ነቲ ዝምድና ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ውግእ እውን ኣትዩ። ደሓር ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተረቲዑ ንደሰታት ሓንሽ ኣረኪቡ መልሓሱ ሓይኹ።
ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ኢህወደግ ካብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር ደርግ ዝነበሮ ዝምድና መዝሚዙ፡ ምስ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ዘይርበሓሉ፡ ዘይፈልጦን ዘይሕጋውን ዘይትካላውን ንግዲ (ኮንትሮ ባንድ) የካይድ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ቡን፡ ሰሊጥን ወርወር ቀላሚጦስን ናይ ኤርትራ ኣምሲሉ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኢኹ ካዝናኡ የሰውድ ነይሩ። እዚ ኣብቲ እዋኑ ኣብ ኢትዮጵያውያን ዝፈጠሮ ቅርሕንቲ ቀሊል ኣይነበረን። ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ረብሓን ራኢን ህዝቢ ኤርትራ ዘይከይድ፡ ኣብ ህልኽን ሕነ ምፍዳይን ዝተመርኮሰ ምንባሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልትን ንጹሃት ኤርትራውያንን ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ብሰንክዚ ናይ ህግዲፍ ዕንደራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣስሩ፡ ዝተቐትሉ፡ ዝተጨውዩን ዝተሰጉን ብዙሓት እዮም። ነፍሰ-ሄራት ተስፋሚካኤል ጆርጆ፡ ገብረብርሃን ዘርኣን ዝካርያስ ንጉሰን ከኣ ናይዚ ግዳይ ኣብነት እዮም።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብቲ ብናይ ኢትዮጵያ ገንዘብ ብር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ዶላር ብ5 ብር ክሽረፍ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ከኣ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይርእን እዩ” ዝበሃል፡ ሳዕቤኑ ብዘይምስትውዓል፡ ሓደ ዶላር ብ7 ብር ይሽረፍ ነይሩ። ብዘይካዚ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናቕፋ ተሓቲሙ ኣብ ዕዳጋ ምስ ኣተወ “ክልቲኡ ናቕፋን ብርን ብማዕረ ሚዛን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ክሰርሕ ኣለዎ” ዝብል በይናዊ መደምደምታ በጺሑ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ክቕበሎ ከገድዶ ፈቲኑ። “እዚ ኣይከውንን እዩ” ምስ ተባህለ ከኣ ነቲ ተረኽቦ ጸይሩ፡ ብናይ “እሂን ምሂን” መስርሕ ክፈትሖ ዘኽእል ትዕግስቲ ስለ ዘይነበሮ፡ ናብቲ ዝለመዶ ዕብድብድን ንፍልልይ ብጐንጺ ናይ ምፍታሕን ጽላለኡ ኣትዩ፡ ውግእ ከፊቱ ተሳዒሩ ከኣ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘርኣየና እምበኣር፡ ናይ ኩሉቲ ውግኣት ጠንቂ ጸቢብ ረብሓ ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ፡ እቲ ክዋጋእን ክሳራ ውግእ ክስከምን ዝጸንሐ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኢሳያስ ግና እቲ ናይ ህዝቢ ክሳራ ክሳራኡ ስለ ዘይኮነን፡ ነዚ እውን ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ደጋጊሙ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ “ኣይከሰርናን” ኢልዎ።
ድሕሪቲ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ዝኸሰረሉ፡ ኢሳያስ ግና ኣይከሰርናሉን ዝበሎ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣዝዩ ውዕዉዕ ዝመስል ዕርክነትን ወደኽደኽን ተራእዩ። ንሓያሎ ተጋላባጢ ባህርያት ኢሳያስ ክከታተሉ ዘይጸንሑ ወገናት እውን ኣዕሽይዎም እዩ። እዚ ናይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናይ ኢሳያስ ተበግሶ፡ ከምቲ ልማዱ ረብሓን ክብርን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘበገሶ ከም ዘይነበረ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ፡ ፈሊሑ ዝገረረ ሓቂ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዳንኬራ ዝተወቕዓሉን ንሕና ግና “ኣየ እንቀዓ መሸላ ዘይውደኣ ይመስላ” ዝበልናዮን ዝምድና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወቱ ዘይተጠቕመሉን ተዓጽዩ ዝነበረ ኣፍደገታት ሕጂ’ውን ዕጽዊ ምህላዉን ግብራዊ ምስክር እዩ። ኢሳያስ ቀንዲ ነዚ ዝምድና ምስ ዶ/ር ኣብይ ዝጐየየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተፈጥረ ኢትዮጵያዊ ውሽጣዊ ምስሕሓብ መዝሚዙ ናይ ውልቁ ዝናን ሕነ ምፍዳይን ህንጡይነቱ ንምርኣይ ጥራይ እዩ ነይሩ። እሞ ሰሚርሉዶ ኣይሰመረሉን፡ ውጽኢቱ እዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ኢሳያስ ቀንፈዘው’ዩ።
ኣብቲ ዝምድና ዝፈጠረሉ እዋን መሪሕ ጭረሖ ንቕሎ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ “ናይ ወያነ ጸወታ ተወዲኡ (game is over)“ ዝብል ምንባሩ ጥራይ ክሳብ ክንደይ እቲ ደፋኢ ምኽንያት ቅርሕንቲ፡ ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታውን ሕነ ምፍዳይን እምበር፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብ ከምዘይነበረ ምርዳእ ይከኣል። ከምቲ “ተጋግዮም የጋግዩኻ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ንርእሱ ግጉይ መንገዲ መሪጹስ፡ ነቲ ጥዑይ ሰብ መሲልዎ ምስኡ ዝተዓራረኸ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እውን ኣጋግዩ፡ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኤርትራ ዘይዝረብ ኣዛሪብዎን ዘይክተም ኣኸቲምዎን። እዚ ከይኣክል ብኣዝዩ ዕሙት ኣመዛዝና “ኢሳያስን ምምሕዳሩን ናይ ልምዓትን ሰላምን’ዩ” ክሳብ ምባል ግጉይ ምስክርነት ኣብጺሑ ኣብ ትዕዝብቲ ብዙሓት ንኢሳያስ ዝፈልጡ ኣውዲቕዎ። ከምቲ “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደስ ህላ እንተዘይለመደ …… ለመደ” ዝበሃል፡ ወዮ ኢሳያስ ደኾን በቲ ኣብ ግዜ ዕርክነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ገለ ለውጥታት ይጽለው ዝበሃል ዝነበረ ግምት፡ ብግልባጡ ኮይኑ ዶ/ር ኣብይ ብኢሳያሳዊ ኣበሳ ናይ ምጽላው ምልክት ምርኣዩ ዘገርም ኮይኑ ኣሎ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ቀንዲ ኣዕሩኽ ኢሳያስ ካብ ዝጸንሑ መንግስታት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኣብነት እትጥቀስ እያ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብማዕከናት ዜና ይስማዕ ከም ዘሎ፡ መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ብዓጸቦ ይልለዉ ንዘለዉ ዜጋታትና ሓገዝ ልኢኻስ፡ ምምሕዳር ህግዲፍ ነቲ ሓገዝ ከምቲ እኩይ ልማዱ ተሓሲምዎ። ወያ ሓገዝ ዝጸዓነት መርከብ ከኣ ተመሊሳ ዝብል ወረ ይናፈስ ኣሎ። እዚ ከኣ ሓድሽ ናይ “ጥዕም ግድፍ ዝምድና ህግዲፍ“ ኣብነት እዩ።
ናጽነትና ብባዕዲ ምስ ተዘምተ
ክንመልሶ ብናይ ዕጥቂ መኸተ
መጀመርያ ብረት ዓጢቑ ዝኸተተ
ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ዓዋተ
ብሓደ መስከረም ተዅሲ ከፈተ
ብ61 ሓድሽ ምዕራፍ ንናጽነት ተኸስተ።
ኣብቲ መዋእል ዝሑል ኲናት
ምዕራባውያን ደጊፈን ንዘውዳዊ ስርዓት
ሶቭየት ሕብረት ንደርጋዊ ዴስነት
ለጊሰን ፋንቶም ሚግ፣ ታንክታት መዳፍዓት
ህርፋን ባዕዳዊ መግዝእቲ ንባሕሪ ንመሬት
ልዕለ-ሓያላን ንስትራተጅያዊ ረብሓታት
ጥሒሶም መሰልን ክብርን ናይ ኤርትራውያን ዜጋታት።
ዘይተኣደነ ኩምራ ብረት ጠያይቲ
ካብ ድምጺ ዝቕልጥፋ ነፈርቲ
ዝድብድባ ብዘቃጽል ነተጕቲ
ጨካናት ሰራዊት መግዛእቲ
ህዝቢ ኣኪቦም ዝርሽኑ፣ ዘንድዱ ኣባይቲ
ዘየናሕስዩ ንቘልዑ ንኣረገውቲ
ፍርዲ ኣልቦ ብጃምላ ኣህለቕቲ።
መከትናዮ’ድኣ ብኤርትራዊ ሃገርነት
ብዘይንቕነቕ ናይ ህዝብና እምነት
ተሳዒሮም ተጐምጒሞም ሕፍረት
ተዓቚቡ ባሕርና ምስ መሬት
ሸቶና ወቒዕና ጨቢጥና ናጽነት።
ኵሉ ይስምዓዮ ናይ ጅግንነት ዜና
እዚ’ዩ እቲ ሞያ፣ እዚ’ዩ ቲ’ታሪኻዊ ዝና
ዝወረስናዮ ካብ ኣቦታትና፣ ዘንቀልናዮ ባዕልና
ተኻይዱ ቃልሲ ብተባዕ ህዝብና
መግዛእቲ ደምሲስና ልዑላውነትና ኣዊጅና።
ኣብ ጀብሃ ኰነ ሻዕብያ ናይ ሓርነት ሽግ ዝዓተረ
ብመስዋእቱ ሕቖ መግዛእቲ ዝሰበረ
መበቆሎም ሓደ፣ ኵሎም ደቂ ኤረ
ዝኽርን ክብርን ንዅሎም ብማዕረ
ሂወቶም ወፍዮም ካብ ኵሉ ዝኸበረ።
ንጹር’ዩ ነይሩ መትከልና ዕላማና
መግዛእቲ ጸሪግና ጕሒፍና
ክንመልሶ ሰብኣዊ ክብርና መሰልና
ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ግን ኣይበጻሕናን ጌና።
ዘይተጸበናዮ መለሳ መግዛእትስ ምልኪ ተቐይሩ
ኢሳያስ ብሒትዎ ስልጣን፣ ገቢትዎ ብሃገሩ
ቅዋም የለ ደሞክራስያዊ ምርጫታት በዂሩ
ዓገብ ንዝበልዎ ቀቲሉ፣ ኣደስኪሉ፣ ኣሲሩ።
ብቕዋም ልዕልና ሕጊ ተመሪሕና
ብደሞክራስያዊ ምርጫታት ኣቢልና
ክንሃንጽ ከነማዕብል ዝፈረሰት ሃገርና
ክንነብር ብሰላም ብፍትሒ ብልጽግና
ዘይቅየር ዘልኣለማዊ ሕልምና ባህግና
ክንበጽሖ ኢና ብዘይሕለል ቃልስና።
ሓሳብና ይስመር፤ ቀላጽምና ይሕበር
ተጠርኒፍናን ተወዲብናን ብደረጃ ሃገር
ስርዓት ምልኪ ክንሰብር
ብሰላም፣ ፍትሕን ብልጽግናን ኣብ ሃገርና ክንነብር።
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር
ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና።
ፍስሃየ ሓጎስ / 1 መስከረም 2020
ምምሕዳር ኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ሕብረተሰብ ዓለም ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝተደወነ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብ ናይ ምድዋኑ ብዙሓት ጠንቅታት ሒደት ንምጥቃስ፡ ምምሕዳሩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሕገመንስቲ ናይ ምምራሕ መሰል ዝግህስ። ኣብ ክንዲ ብኣፍልጦ ህዝብን ብመንግስታዊ ትካላትን ምምራሕ ውልቃዊ ኢደ ወነናዊ ኣካይዳ ስለ ዝመርጽ። ናይ ዜጋታት፡ “ይኾነና” ኢሎም ብዝመረጽካዮ ኣካል ምምራሕ መሰል ዝነፍግ። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምውዳብን ዝመረጽካዮ እምነት ናይ ምስዓብን መሰል ዝኽልክል። ተካኢ ወለዶን ተረካቢ ሕድርን ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ትውልዳዊ ናይ ምስግጋር ግቡኡ ክፍጽም ዘኽእሎ ክእለትን ፍልጠትን ከይረክብ፡ ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝዓጹ። ዝያዳ ከኣ መንእሰይ ብናይ ህውከትን ዕግርግርን ወረ ደንዚዙ ተስፋ ቆሪጹ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ እኩይ መንገድታት ዝህንድስ። በብግዜኡ፡ ንውጉኣት ሓርነት፡ ንላዕለዎት መራሕቲ ናይ ውድቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ሎሚ ከኣ ንበዓባያ ኤርትራ ዝጠለመ ጉጅለ ብምዃኑን ብዝኣመሰሉን ተግባራን እዩ ምስሉ ዝድወን። እዞም ብሓፈሻዊ መልክዕ ዝተጠቕሱ ናይዚ ጉጅለ ጸይቂ ተግባራት ነናቶም ዘስካሕክሕ ዝርዝር ኣተገባብራ ኣለዎም።
ምስሉ ክሳብ ክንድዚ ዝዓሞቐ ኣሉታዊ ክነሱ፡ ሒደት ወገናት ነዚ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ዘውግዝዎ፡ ነቲ ጸረ ህዝቢ፡ ጸረ ስኒትን ህድኣትን ተግባራቱ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ክሓልፍዎ ይረኣዩ እዮም። ካብዚ ሓሊፎም ምስ ኩሉዚ ዝተጠቕሰ ተወዳዳሪ ዘይርከቦ ኣበራቱ ክንእድዎ፡ ከመጉስዎን ብልጫታት ክህብዎን ይረኣዩ እዮም። መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ሳዑዲ ዓረብያን ከኣ ናይዚ ዘይሚዛናዊ፡ ዘይርትዓውን ዘይሓላፍነታውን ኣገላልጻ ነቲ ዲክታተር ኣብነት እዮም።
ነዚ ብግሁድ ክውገዝ ዝግበኦ ምምሕዳር ኢሳያስ ዘይምውጋዝ ወይ እውን ምትብባዕ ተዓዚቦም ዝግረሙ ወገናት ብወገኖም በብግዜኡ ናይ ምግራም ሕቶታት የቕርቡ እዮም። ካብቲ ዘቕርብዎ ብዙሕ ሕቶታት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ በቲ ጉጅለን መራሒኡን ንምግላጹ ብዘጸግም ደረጃ እንዳተወጸዐ ስለምንታይ እዩ ኣብ ክንዲ ኣንጻሩ ዝለዓል ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ? ሕብረተሰብ ዓለምከ እቲ ጉጅለ፡ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ብንዕቀትን ብደዐን፡ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቱ ብህውከትን ብዕግርግርን እንዳሽካዕለለ፡ ንናይ ዝተፈላለያ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ትካላት ምሕጽንታ ናይ ስቕ መርገጽ ምርጫ እንዳወሰደ ዘይቀጽዐኦ? ምኽንያቱ ብዘይተነጸረ፡ ንዝኣሰሮም ዜጋታት፡ ብናጻ ክፈትሕ፡ ወይ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ካብኡ ሓሊፉ ብቤተሰቦምን ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ትካላትን ክብጽሑ ንዝቐርበሉ ምሕጽንታ ጽማም እዝኒ ክህብ እንከሎኸ ዘይንገሮ? ካብቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ኮይኑ ዝቕርብ፡ ግዱድን ገደቡ ዘይፍለጥን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክቑጠብ መተሓሳሰቢ ክወሃቦ እንከሎ፡ ግቡእ መልሲ ዘይምሃቡኸ ኣየሕትቶን ድዩ? ዝብሉ ካብቶም ዝውቱራት እዮም።
ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ “ስለምንታይ ምስዚ ኩሉ ግፍዒ ንምምሕዳር ህግዲፍ ስቕ ኢሉ ይርእዮ?” ዝብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ በዚ መንገዲ ጥፍኣት ክዕንድር ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን። እዚ ከኣ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ርሑቕ ከይከድና፡ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ተወጻዕን ወጻዕን ወይ ናይ መሰል ሓታትን መሰል ነፋግዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተጻረርቲ ዝምድና፡ ምናልባት ዓቕሚ ወሲንዎን ኩነታት ምጥዓም ስኢንዎ እንተዘይኮኑ፡ ተወጻዒ ወጻዒኡ ከም ድላዩ “ቸቸ” ክብለሉ እንከሎ ስቕ ኢሉ ክርኢ ንቡር ኣይኮነን። ኣጠማምታ ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ህግዲፍ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።
ካብቲ ኣብ ድሮ ምእዋጅ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተኻየደ’ሞ በቲ ዲክታተር ዝተጨውየ ተቓውሞ ናይ ተጋደልቲ ጀሚርካ ዝትጋህዱ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ምንጥጣፍ ብሕታዊ ፕረስ፡ ተበግሶ ጉጅለ 13፡ ምልዕዓል ጉጅለ 15፡ ፈተነ “እምቢ” በሃልነት ወዲ ዓሊ 2013፡ ስምዕታ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ “ዓገብ” በሃልነት ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን መኸተን መስዋእትን ሓጂ ሙሳ ኣብ ኣኽርያን ደሚርካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ኢሳያስ ስቕ ኢሉ ክርእዮ ከም ዘይጸንሐን ከምዘየሎን ንምርዳእ ኣብነታት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ እቲ በብግዜኡ እንዳበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል ለውጢ፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ሰፊሕ ወፍሪ “ይኣክል”ን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ኢሳያስ “ይቐጽል” ዝብል ቀጠልያ ምልክት ከም ዘይሃቦ ዘብርህ እዩ።
እቲ ካልእ ንኢሳያስ ከውግዞ እንዳተገብኦ ዘየውግዞ ናይ ግዳም ኣካላት፡ ምናልባት እውን ክተሓባበሮ ዝፍትን ከምኡ ክገብር ምኽንያት ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ። ዝምድና ክግበር እንከሎ ጠቕሚ ህዝብኻን ሃገርካን ምቕዳም ግድን ስለ ዝኾነ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ረብሓይ ኣብ ኤርትራ ከውሕሰለይ ዝኽእል ኢሳያስ ጥራይ እዩ” ዝብል መደምደምታታት ይሰርሕ ከም ዘሎ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ጠቕሚ ሃገርካ ምቕዳምኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ብኽንድዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ፡ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱን ክኸውን እንከሎ ግና፡ ብፍላይ ነዓና ነቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘሻቕለና’ዩ። ምስቶም ህዝብና እንዳተቐንዘወ ንኢሳያስ እንዳጋለቡ ብስትራተጅያዊ ጸጋታት ሃገርና ክርብሑ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ የተዓዛዝበና። ድሕርቲ ዘይተርፍ ሕልፈት ዲክታተርን ኣተሓሳስባኡን ከኣ ምስ ህዝብና ፊትንፊት ክራኸቡ እዮም። ኤርትራ ከኣ ነባሪት እምብር ምስ ኢሳያስ እትሓልፍ ኣይኮነትን።
ንኣብነት ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ከባብያዊ ልዕለነኣ ኣብ ምብራኽ ንክሕግዛ ኣብ መሬት ኤርትራ ናብ የመንን ካልእ ከባብን ምውፋር ዘኽእላ ወተሃደራዊ መደበር ከፊታ። እዚ ድሌትዚ ንክሓድራ ዝገበረ ከኣ ብቕዓት ኢሳያስን ምምሕዳሩን ዘይኮነ፡ ክሳዳዊ ተበሃግነት ቀይሕ ባሕሪ ዝቕናታ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ብጸጋታት ኤርትራ ንምጥቃም ንኢሳያስ ጁባኡ እንዳመላእካ መራሕ መንገድን ተለኣኣኽን ምግባሩ ግድን እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ህርፋንካ ንምምላእ፡ ነዚ ባዕሉ ዝዛረብ ዘስካሕክሕ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ጓሲኻ ምስ ኢሳያስ ምውድኽዳኽ’ውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ብንጹር ዘርእየና ከኣ እቲ ቀንዲ ዝበሃግ ዘሎ ኤርትራ እምበር፡ ኢሳያስን እኩይ ተግባራቱን ከምዘይኮኑ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንግሆኡ ንናይ ርሑቕ ባዕዳውያን ወረርቲ ኮነ፡ ቅድሚኡ ንዝነበሩ መስፍናውያን ዓመጽቲ ሓንጐፋይ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣንጻሮም ተቓሊሱ። ኣብቲ እዋንቲ ዓቕሙ ውሱን ብምንባሩ፡ ቃልሱ ኣንጻር ወጻዕቱን ወረርቱን በሪኽ ስለ ዘይንበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንወረርትን ወጻዕትን ኣሜን ኢሉ ከም ዝተቐበሎም ገይሮም ዝወስዱ ግሩሃት ሓሓሊፎም ይስምዑ እዮም። ካብዚ ስንኩፍ መደምዳምታኦም ነቒሎም ኣንጻር ልኡላውነት ሃገርና ክሽፍጡ ዝደልዩ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእቱ ዝተሰንዐ እምበር ናቱ ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ኣይነበሮን ዝብሉ እውን ኣለዉ። ፕሮፈሶር መድሃኔ ታደሰ፡ “ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናይቲ ጐንጺ መበገስን መወዳእትኡን” ብዝብል ብ2000 ብኣምሓርኛ ኣብ ዘሕተምዎ መጽሓፍ “ ኤርትራዊ ብሄርተኝነትን፡ ምስኡ ዝተሓሓዝ መንነትን፡ ስርዓት ደርጊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ውግእ ምምካት ንከኽእል ኢልካ፡ ደሓር ዝተፈጥረ ተረኽቦ እዩ።” ብዝብል ዘስፈርዎ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ንምቁንጻብ ናይ ዝግበር ፈተነ ኣብነት እዩ።
እቲ መግዛእታዊ ግዜ እንዳነወሐ፡ እቲ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንነቱን እንዳመረረ ምስ ከደ፡ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብኣኡ ደረጃ እንድጐለሐ ከም ዝኸደ ርዱእ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ስዕረት ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ልኡላውነታ ዓቂባ ናይ ምቕጻል መሰላ ከም ዝተገፈ ምስተጋህደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ወጻዕቱን ጓዕጸጽቱን ዘካየዶ ቃልሲ ዝያዳ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መድረኻት በሪኹ ተራእዩ። ብፍላይ እቲ ካብ ኣጀማምራኡ፡ ንድሌትን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ብናይ ቀረባን ርሑቕን ውዲታት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ቆሪንካ ንናጽነት ኤርትራን መሰል ህዝባን ንሓዋሩ ንምቕባሩ ዝተወጠነ ረፈረንዱም ምፍራሱ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ሰማይ ዓሪጉ።
እቲ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ክብደት ቃልሲ፡ ኣብ መዳያት ዲፕሎማስን ፖለቲካን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ተነጺሩ፡ ብረታዊ ቃልሲ ከም ናይ ግድን ምርጫ ተወሲዱ ምስተበሰረ ከኣ፡ እቲ በብመድረኹ ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝበለሐ ጥርዙ ሒዙ። እዚ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ኩሉቲ ኣብ ኣጀማምራኡ ዝነበሮ ወድዓውን በዓልቤታውን ሕጽረታት፡ ብዝሰፍሐ ደረጃ ንመላእ ኤርትራ ኣሳቲፉ። እቲ ጸላእቲ ብዙሕነቱ መዝሚዞም፡ ጸቢብ ዝንባለታት እንዳጻሕተሩ ከዳኽምዎ ተስፋ ኣሕዲረምሉ ዝነበሩ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ድማ መሊሱ ኣብ ዙርያ ተረድኦ ፍልልያዊ ሓድነት ተሪሩ። እቲ ንኤርትራ ገሊኡ ኣካላን ህዝባን ናብ ምዕራብ ዝተረፈ ድማ ናብ ደቡብ ገማሚዕካ ህልውነኣ ከም ሃገር ንምጥፋእ ዝነበረ ሃቐነ ኣበርዒኑ። ንብምልእታ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምቑራና ዝተኻየደ ሸርሒ እውን ኣይተዓወተን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኢትዮጵያ ቅድም ኣብ ቀጻሊ ሕማም ርእሲ ዘውደቓ፡ ደሓር ከኣ ናይ ስዕረታ ተመኩሮ ኮይኑ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተሰኒዱ።
ውጽኢት’ቲ ተኸታታሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በብእዋኑ ናብቶም ወረርቱ ኮነ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም መልእኽታት ከመሓላልፍ ጸኒሑ እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንድሕሪት ብዘይምለስ ብግብርን ብሕግን ናብ ምርግጋጽ ናጽን ልኡላዊትን ኤርትራ ዓሪጉ። ምስዚ ኩሉ ግና ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ካብ በኹሪ ቃልሱ ጀሚሩ ከረጋግጾ ዝተንሰኣሉ ሸቶ ኣይበጸሐን። ክሳብቲ ናብቲ ቅድም ዝኣመቶ ሸቶኡ ዝበጽሕ፡ ተኸታታሊ ናይ ወለዶታት ቃልሱ ኮይኑ ክቕጽል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ እውን እቲ መስርሕ ተኸታታሊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ቀጺሉ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነዚ ተኻታታሊ ቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነት ሃገር፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ምእንቲ ህንጸት ሓዳስ ሃገርን ዕቤታን ከሰጋግሮ ሕድሪ ህዝብን ሰማእታትን ነይርዎ። እንተኾነ እዚ ጉጅለ እውን ካብቶም ተኻታተልቲ ህዝቢ ኤርትራ ክስዕሮም ዝጸንሐ ናይ ግዳም ገዛእትን ጨቆንትን ዝተፈልየ ድሌትን ባህርን ስለ ዘየርኣየ፡ እቲ ተኸታታሊ ቃልሲ በቲ ዝሓዞ ኣቕጣጫ ይቕጽል ኣሎ። ኣቶ ነጋሲ ጸጋይ ተኽለ ካብ ኔዘርላንድ ብ2010፡ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ “ኣይትተሃመሉ” መዘኻኸሪ፡ ዲክታቶር ኢሳይስ ኣፈወርቂ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኣተወሉ ቃሉ ክዓጽፍ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “እንታይ ማለት ኢዩ ደሞክራስያዊ ምርጫ እናበልካ ዝግበር ናይ ምቑጽልጻል ዘረባ? እንታይ እዩ ቑንቑኛኡ? ንምንታይ ኣብ ሱዑድ ዓረብ፡ ሰሜ፡ ኮርያን ኩባን ምርጫ ዘይተኻየደ ኢሎምዶ ሓቲቶም ይፈልጡ ? ቅዋም ማለት እኮ ከም ዝኾነ ጽሑፍ ዝጸሓፍ ኢዩ።……..ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ቅጫ ኢዩ ዘድልዮ ዘሎ ደሞክራሲዶ ምርጫ መግቢ ክኾኖ ኣይክእልን ኢዩ።” ከም ዝበለ ኣስፊሩ። እዚ ከኣ እቲ ቅድም ኣንጻር ባዕዳውያን ኮነ፡ ሎሚ ኣንጻርቲ ዲክታቶርን ጉጅለኡን ዝካየድ ቃልሲ ከም ዝመሳሰል ዘርኢ እዩ።
ነዚ ተዓዚብካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንቃልሱ ዝምጥን ጻማ ዘይረኸበ ኣንጻር በብዋኑ ትሕዝቶኦም ዘይኮነ መልክዖም ዝቐያይሩ ገዛእትን ወጻዕትን ሓይልታት ኣብ ተኸታታሊ ቃልሲ ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐን ከም ዘሎን ምርዳእ ይከኣል። ከምዚ ዝኣመሰለ ትንፋስ ዘይህብ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ከም ዘድክምን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ተጽዕኖ ከም ዘሕድርን ፍሉጥ እዩ። ቀንዲ ድሌት ወጻዕቲ ከኣ ንህዝቢ ኣዳኺምካ፡ ኣረብሪብካን ተስፋ ኣቑሪጽካን ድላይካ ምግባር እዩ፡ ብግብሪ እውን ኣብ ህግዲፋዊ ባይታ ዝረአ ዘሎ ከምኡ እዩ። እንተኾነ እቲ ዘሕብን እቲ ተጽዕኖ ኮነ ናይ ምድኻሙ ውዲት ንህዝቢ ኤርትራ ናብ “ኣላሽ በህልነት” ዘይኮነ፡ መመሊሱ ናብ “ሕራነን ተጻዋርነትን” ዝወስዶ ዘሎ ምዃኑ እዩ። ሕጂ እውን እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ፡ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዘኽኣል ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን፡ ነዚ ዘለናሉ መድረኽ ብዝምጥን ኣገባብ ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ። ኣብ ድሮ ምሕፋስ ዓወት ናይቲ ተኸታታሊ ቃልሱ ከም ዘሎ ከኣ ምልክታት ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ።