ባህግና Bahgna Media 24.05.2025: ብኣጋጣሚ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ዝቐረበ መግለጺ ሰዲህኤ
Written by Bahgna MediaMedia
መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምኽንያት መበል 34 በዓል ናጽነት ኤርትራ
Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤኣብ ታሕቲ ብተባዕታይ ጾታ ተጻሒፉ ዘሎ እንተላይ ንኣንስታይ ጾታ ከም ዝምልከት ብቐዳምነት ከፍልጥ እፈቱ
24 ግንቦት 2025 ሃገርና ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ መበል 34 ዓመት እዩ። ነዛ ክብርቲ ምዓልቲ እዚኣ ክርእዩ እተመነዩ ግን ክርእይዋ ዘይትዓደሉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣሽሓት እዮም። ምእንቲ ናይ ህዝብና ናጽነትን ሓርነትን ክቡር ህይወቶም በጃ ዝሃቡ ብኣማእት ኣሽሓት እዮም ዝቝጸሩ። ሳላ ክቡር መስዋእቶም፡ ድማ ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ እተፈልጠላ ኣካል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኰይና ኣላ። በዚ ኣጋጣሚዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝብና ዮሃና እብል።
እንተዀነ ግን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ስለዝወደቐት፥ ህዝብና መሰሉ ተጋሂሱ፡ ሓርነታቱ ተገፊፉ፡ ብደረት ኣልቦ፡ ዓስቢ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት መሃነኑ ጠፊኡዎ ጊላዊ ናብራ ከሕልፍ ዕጫኡ ኰይኑ ኣሎ። ብሓንቲ ራድዮን ሓንቲ ቲቪን ሓንቲ ጋዜጣን መርበብ 03 መደናጋሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንዳዘርግሐ ኣእሙሮ ህዝቢ ኣደንዚዙ፤ መላኺ ስርዓት ጸጋታት ሃገርናን፡ ንህዝብና ብቐንዱን ፊን ከም ዝበሎ ኣብ ድላዩ ከውዕሎ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ ኵነታትዚ ወዲቕና? ከመይ ጌርና ኢናኸ ምልኪ ደርቢና ሓራ ክንከውን እንኽእል? ዝብል'ዩ።
ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ምሕደራ ክንተክል ኢና፤ ማሕበራዊ ፍትሒ ከነስፍን ኢና እንዳበለ ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።
ምልካዊ ስርዓት የእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ስለ ዝዀነ ነብሱ ክጽግን ዘይሕሰብ እዩ። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከም ዝብሃል፡ እቲ ፍታሕ ህዝብና ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ብዘይፍቓድካ ክገዝኣካ ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የልቦን። እቲ መልሲ እምቢ ንምልኪ እወ ንሓርነት! እዩ።
ንመሰልካ ተልዓል! ስዉኣት እኮ ኣብ ሃገርካ ርእስኻ ኣቕኒዕካ ክትከይድ እምበር ኣብ ምዓልቲ ናጽነት ንኸይትግፈፍ ተሸቝሪርካ እንዳትሓባእካ ንኽትነብር ኣይኮኑን ተሰዊኦም። እወ ከም ድላይካ ክትኣምን፡ ክትሓስብ፡ ክትገልጽ ክትውደብ፡ ክትንቀሳቐስ፡ ክትምሃር፡ ክትሓርስ፡ ክትጓሲ፡ ክትሰርሕ ብሓጺሩ ሓፈሻዊ ሓርነታትካ ተኸቢሩልካ ብሕግን ብቕዋምን ንኽትምሓደር እዮም ክቡር ህይወቶም ሂቦሙልካ። ግዴኻ ነታ ብኽቡር መስዋእቲ ዘረከቡኻ ልዑላዊት ሃገር ምዕቃብን ዝተገፈፈ መሰላትካ ምምንዛዕን እዩ።
በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ። ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ንውድቐት ምልኪ ከኣ ዘቐላጥፍ ስጉምቲ ምዃኑ ጥርጥር የልቦን።
ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤ
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!!
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስማእታትና!
ብሓድነት ንሓርነት!!
ሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ፍርዲ መቐለ
ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ መቐለ ዝርከባ ሓንቲ ላዕለወይትን 7 ናይ ክፍለ ከተማን ኣብያተ-ፍርዲ ካብ 20 ጉንበት 2025 ጀሚረን ከም ዝተዓጽዋ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮ-ኢንሳይደር ንማሕበር ዳያኑ ትግራይ ብምጥቃስ ሓቢራ። ነዚ ብዝምልከት በተን ኣብያተ- ፍርዲ ዝወጸ ስምዕታ ከም ዝሓበሮ፡ ጠንቂ ናይቲ ምዕጻውን ምቁራጽ መስርሕ ፍርድን ናይ ዳያኑ ድሕንነት ውሕሰት ብዘይምርካቡ ምዃኑን እቲ ስግኣት ክሳብ ዝፍታሕ እቲ ዕጽዋ ከም ዝቕጽልን ተሓቢሩ።
ፕረሲደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣቶ ዳዊት ሃይለስላሴ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መፍትሒ ንክረክብ ኣቒረበምዎ ካብ ዘለዉ ሕቶታት ምስ ድሕንነት ዳያኑ ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ንሓለዋ ኣብ ዝምደቡ ኣካላት ጸጥታ ዝምልከት ምዃኑ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መገባእያ ዝምደቡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ጥራይ ስለ ዝኾኑ፡ ቁጽሪ ኣባላት ፖሊስ ወሲኹ ዘተኣማምን ሓለዋ ንክህሉ ከም ዝሓተቱ እቶም ፕረሲደንት ጠቒሶም።
እቶም ፕረሲደንት ብተወሳኺ ከም ዝጠቐስዎ፡ ቤተሰብ ተኸሰስቲ፡ ኣብ መገባእያ ኮነ ካብኡ ወጻኢ ነቶም ዳያኑ ስለ ዘፈራርሕዎም ነዚ ዝምልከት ውሕስነት ንክረኽቡ ከኣ ኣካልቲ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቕሪበምዎ ዘለዉ ሕቶ እዩ። ብዘይካዚ ዳያኑ ብባህሪ ስረሓሖም፡ ክሳብ ናይ ሞት ብይን ክህቡ ስለ ዝኽእሉ፡ ብሰንክዚ ኣካረይቲ ካብ ዝተኻረይዎ ከም ዘውጽእዎም ኣብቲ ጥርዓን ካብ ዝተጠቕሱ እዩ።
እቶም ዳያኑ ናብ ከምዚ ደረጃ ንክበጽሑ ካብ ዝገበሮም፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ብዛዕባ ቅትለት ዘውዱ ሃብቱ ዝተባህለት መንእሰይ ጓለንስተይቲ ዳያኑ ኣብ ልዕሊ ብቕትለታ ዝተኸሱ ጥርጡራት ናይ መወዳእታ ብይን ንክህቡ ኣብ ዝተጋብእሉ፡ ብቤተሰብ ጥርጡራት ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ናይ መጥቃዕቲ ፈተነ ተሃቂኑ እቲ መስርሕ ስለ ዝተበተነ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምዝራግ ዝተገብረ ፈተነ ላዕለዋይ መዝነት ዘለዎም ከም ዝሳተፉ’ውን ኣብቲ እቲ መርበብ ዝተጠቕሰ ስምዕታ ተመልኪቱ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ነቲ ዝቐረቦ ጥርዓን ኣጻርዩ፡ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዕንቅፋት ዝፈጠሩ ኣጻርዩ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ቃል ኣትዩ’ሎ።
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ከማል እድሪስ
ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመዘዘን፡ በቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝካየድ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝገደደ ይቕጽል ከም ዘሎን ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብቀዳማይ ምኒስተርነት ዝተመዘ፡ ዶር ከማል ኣል ጠይብ እድሪስ ኣተባህለ ክኸውን እንከሎ፡ ክልተ ኣባላት ደቂ ኣድንስትዮ እውን ምብራቓውን ማእከላይን ሱዳን ብምውካል ንኣባልነት ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ከም ዝተመዛ እቲ ብ19 ጉንበት 2025 ዝተዘርግሐ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ ዝተመዘ፡ ሓደ እዋን ዲረክተር ሓለዋ ምሁራዊ ንብረት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልእ ግዜ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጸሓፊ ማሕበር ንሓለዋ ዝተፈላለዩ እጻዋት ኮይኑ ዝሰርሐ ምዃኑ ተነጊሩ። ብዘይካዚ ኣብ 2010 ፕረሲደንት ሱዳን ንምዃን ምስ ዑመር ኣል በሺር ተወዳዲሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ከማል ኢድሪስ ድሕሪ እቲ ብ2022 ብፈቓዱ ዝለቐቐ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብደረጃ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዝምዘዝ ዘሎ ናይ መጀመርያ እዩ። ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምምዛዙ፡ ስምምዕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምፍጣር ምስ ሰኣነ እዩ ካብ ስልጣኑ ስሒቡ። ድሕሪኡ ክሳብ ሎሚ ቤት ምኽሪ ካቢነ ሱዳን ብግዝያዊነት’ዩ ክምራሕ ጸኒሑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቲ ብሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ ከም ዝሕገዝ ዝንገረሉ፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ፡ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝጀመሮ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብምቕጻል ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ቀጺልዎ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታላትን ተመዛበልቲ ዝተዓቑብሉ ቦታታትን ከይተረፈ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ከቢድ ናይ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት የውርድ ኣሎ። እቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ብሰንክቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ናብ ምዕራዊ ከባብታት ኤርትራ ከይልሕም ዝሰግኡ ወገናት’ውን ኣለዉ።
ባህግና Bahgna Media 18.05.2025: ብዙሕነትና ዓቕምና መታን ክኸውን፡ ፍልልይና መልክዕና ንክኸውን
Written by Bahgna MediaMedia
الاجتماع التحضيري الثاني لمهرجان القوى السياسية الإرترية – فرانكفورت 2025
عُقد الاجتماع التحضيري الثاني لمهرجان القوى السياسية الإرترية لعام 2025 بتاريخ 13 مايو 2025، بمشاركة عدد كبير من الحضور عبر الإنترنت. شارك في هذا الاجتماع حوالي 20 عضواً يمثلون القوى السياسية، وكان ضمنهم ثلاثة متحدثين رئيسيين:
• الأخ صهائ كَلِتا، رئيس اللجنة المنظمة
• الأخت فاطمة نور، نائب الرئيس الأول
• الأخ تَدْرُوس تْسِغَاي، نائب الرئيس الثاني
تحدث هؤلاء الإخوة عن نتائج وتقييم مهرجان عام 2024 بالتفصيل، وتبادلوا الأفكار والملاحظات حوله، بالإضافة إلى التخطيط للخطوات القادمة. وقد تم التوافق على تشكيل أربع لجان عمل لتنفيذ المهام المحددة للمهرجان القادم.
وقد اتفقت هذه اللجان على تنفيذ أعمالها بتناغم ومسؤولية، كما ستتعاون على إعداد وثائق ومقترحات واضحة بخصوص مجريات المهرجان.
شارك في هذا الاجتماع ممثلون من مختلف الجهات السياسية الإرترية، وقدموا رؤى بنّاءة وملاحظات نقدية هادفة ساهمت في إثراء النقاشات.
كما أعرب جميع المشاركين عن التزامهم التام بنجاح هذا العمل الجماعي، وأكدوا استعدادهم للاستمرار في هذا المسار الوطني الجامع.
موعد مهرجان لعام 2025:
سيُعقد مهرجان القوى السياسية الإرترية في مدينة فرانكفورت – ألمانيا، خلال الفترة من 1 إلى 3 أغسطس 2025.
قسم الأخبار
القوى السياسية الإرترية (ق.س.إ)
14 مايو 2025
More...
ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምልዓላ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ካብ ቀደሙ’ውን ዘይቕስን ዝምድና፡ ናብ ወጥሪ ይዓርግ ብምህላዉ፡ ኤውራጳዊ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ጉዳያት ከም ዘሰክፎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ገሊጹ። እዚ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ ድሕሪ’ቲ ቅድሚ 7 ዓመታት ዝምድነአን ምምሕያሸን ተመሊሰን ናብ ወግእ ከይኣትዋ ኣብ ዘፍርሕ ደረጃ በጺሑሎ ኢሉ ከም ዝሰግእ ጠቒሱ።
እቲ ኮሚተ ካብቲ ዘስግኦ ምልክታት ክጠቅስ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መንእሰያት ናብ ሰራዊት ከም ዝኸቱ ከም ዝገበረ ጠቂሹ፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ንክልቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ዶብ ከበድቲ ኣጽዋርን መካናይዝድ ሰራዊትን ከም ዘስፈረት በቲ ዠውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዲፕሎማሲያዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ክኢላታት እውን እቲ ወጥሪ ናብ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከይዓርግ ስግኣቶም ይገልጹ ከም ዘለዉ ናይቲ ኮሚቲ ስምዕታ ኣስፊሩ።
እቲ ኣካል ኣብ ዝሓለፈ 17 ማዝያ 2025 እውን እቲ ቅድም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ ከይድገም ብዝሓደሮ ስግኣት ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ። እዚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝመደበሩ ኮሚተ “መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ጌጋ ጸወታ ኣትዮም ኣለዉ” ከም ዝበለ፡ ኣብቲ ደጊሙ ዘውጸኦ መልእኽቱ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ውድብነት ብምስራዙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኢትዮጵያውያን ናይ ጥዕና ክኢላታት ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ብዝተተሓሕዘ ተቓውሞታት ይስምዑ ኣለዉ። ስለዚ ኢትዮጵያ ብዘይካቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ወጥሪ ውሽጣዊ ኩነታታ’ውን ዘሻቕ ዝኸውን ዘሎ እዩ ዝመስል።
ጂም ሪች ኣቦመንበር ሰኔት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ13 ጉንበት 2025፡ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ናይቲ ሰኔት ብዛዕባ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ሰፊሕ ምልከታ ከም ዘቕረበ ናይቲ ሰኔት ምንጭታት ካብ ዋሽንግተን ሓቢሮም። እቲ ሰኔተር “መቐይሮ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ኣብ ነጥበ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ምልክታኡ ዘቕረበ ዝተፈላለዩ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ምኩራት ባእታታት ኣብ ዝተሳተፍሉ መድረኽ እዩ።
ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ ምልከታኡ፡ “ኣመሪካ ኣብ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃን፡ ድሌትን ተገዳስነትን ከም ዘለዋ ኩልና እንፈልጦ እዩ፡ እዚ ዞባ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተተሓሒዙ ቀንዲ ናይ ንግዲ መንቀሳቐሲ እዩ። ኣብዚ ከባቢ ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበርና ቀሊል ዘይበሃል ዓቕሚ ኣለና። ነዚ መስረት ብምግባር ሃገርና፡ ናብ ኬንያን ሶማሊያን ዘድህብ ወተሃደራዊ ስርሒት እተካይደሉ” ክብል ኣስፊሑ ኣቕሪቡ።
ኣተሓሒዙ ድማ “እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ነቲ ዞባ ዝህውኽ ዘይርጉእ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡ እዚ ኩነታትዚ ከም ሁቲ፡ ኣልሸባብን ንዝኣመሰሉን ንፈጠርቲ ራዕዲ ምቹእ ባይታ ዝፈጥር እዩ፡ ከም ቻይና፡ ኢራንን ሩሲያን ንዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ እውን ዕድል ዝህብ እዩ፡ እዚ ድማ ንጸጥታ ናይቲ ከባቢ ህዝብን ኣመሪካን ዝዘርግዩ” ክብል ወሲኹ።
ሰኔተር ጂም ሪች ንጉዳይ ሱዳን ብፍሉይ ዓይኒ ብምርኣይ “ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩነታት ከም ሓደ ናይ ዓለምና ሓደገኛ ተረኽቦ ገይሮም ዝርድእዎ ኣሜሪካውያን ውሑዳት እዮም፡ ሱዳናውያን ኣብ ኣዝዩ መሊሱ ዝገድድ ዘሎ ሻቕሎት’ዮም ዝርከቡ፡ ኣብ ዳርፎር ዘጋጠመ ጽንተትን ብጃምላ ምምዝባልን ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም፡ እዚ ድማ ቀጥታዊ ጸጥታዊ ስግኣት ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ እዩ፡ ኩሎም እዞም ኣሰከፍቲ ፍጻመታት ተደሚሮም ናይ ጽቡቕ ውጽኢት ምልክታት ኣይኮኑን፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ኣተሓሕዛ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብፍላይ፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ዝተቖራረጸ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።” ክብል ተንቲንዎ።
.
መንግስቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብዚ ዞባ ዝምልከት፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ምምሕዳሩ ዝሓሸ ተግባራት ይፍጽም ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ፡ ሎሚ ከኣ ከም ማክሮ ሩቢዮ ጸሃፊ ወጻኢ ጉዳያት ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ኣንጻርቶም ረብሓ ኣሜሪካ ዝዕንቅፉ ተግባራት ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ እዚ ከኣ ኣካል’ቲ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ንምርግጋጽ ረብሓ ኣሜሪካ እዩ ኢልዎ። እዚ ማለት ድማ ኣብዚ ዞባ ዘለዉ መሓዙት ኣሜሪካ ኣነጺርካ ምልላይ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣተንቢሁ።
ሰኔትር ጂም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብተደጋጋሚ ይጠሓስ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣሜሪካ ደቡብ ሱዳን ሃገር ንክትከውን ብዙሕ ዋጋ ከም ዝኸፈለት ሓቢሩ፡ ብ2011 ነጻ ሃገር ካብ እትኸውን ንደሓር ድማ ክሳብ 10 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ከም ዝሓገዘታ ኣብቲ ምልክታኡ ኣመዝጊቡ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣሜሪካ ውጽኢት ናይዚ ዝገበረቶ ደገፍ ከም ዘይረኣየትን ደቡብ ሱዳን ኣብ ንቡር ናይ ሃገር ተግባራትን ምውሓስ ሰላምን ከም ዘይበጽሐትን ንተሳተፍቲ እቲ ርክብ ኣስሚዑ።
ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ከኣ፡ ኣሜሪካ ኣብኣተን ግቡእ ወፍሪ ከተካይድ ብዝዕንቅፍ ውሽጣዊ ጸገማት ይሕመሳ ኣለዋ ኢልወን። እዚ ኩነታት ድማ ኣሜሪካ ነቲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ቻይና ዝገብረኦ ዝምድና ክትቆጻጸሮን ሃጋራዊ ረብሓ ከነውሕስን ዘገድዳ እዩ ኢልዎ።
እዚ ዝተጠቕሰን ምስኡ ዝዛመዱ ጉዳያትን ምስ ጠቐሰ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ፡ ህጹጽ ተደላይ ምንጻር እስትራተጅያዊ ረብሓ ኣሜሪካን ምሕዝነት ምስቲ ዞባ ምድልዳልን ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣሜሪካ ኣብዚ ዞባ ንዓኣን ንኣፍሪቃን ዘርብሕ ምሕዝነት ክንሃንጽ ተደሊ እያ ምስ በለ፡ እቲ ዝለዓለ ዕላማኡ ድማ ኣካል ናይቲ ኣሜሪካ ውሕስቲ፡ ሓያልን ብልጽግትን ናይ ምግባራ እስትራተጂ’ዩ ኢሉ።
እቲ ሰኔተር ኩነታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዳህሰሰ ተንታን ምቕራቡ፡ ኣሜሪካ ቆላሕታኣ ናብዚ ዞባ ተዕዝዝ ከምዘላ ዘገምት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብጩቕ ዘይምባሉ ከኣ ዘተሓታትት ይመስል።
ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2025 2ይ ኣኼባኣ ኣካይዳ
Written by ኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልናይቲ ኣብ ትሕቲ መኽሰብ ኣልቦ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ዝካየድ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2025፡ ዝቆመት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2ይ ኣኼባኣ ብዕለት 13- 05-2025 ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣካይዳ ። ሽማገለ ፈስቲቫል ብ20 ኣባላት ዝቆመት ኮይና ፡ ዘማእክልዋ ሰለስተ ኣሕዋት ሰሚያ። ንሳቶም ድማ ሓው ጻሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ፡ ሓብትና ፋጥና ኑሪ ቀዳመይቲ ምክትል ኣቦ ወንበር ፡ ሓው ተድሮስ ጸጋይ ካልኣይ ምክትል ኣቦ ወንበር ክኾኑ ነብሶም ሰሪዕዓም። ቀጺላ ዝሓለፈ ተመክሮ ናይ ፈስቲቫል 2024 ብደቂቁን ብዝርዝሩን ሓሳብ ንሓሳብ ተላዋዊጣ ነብሳ ኣብ 4ተ ናይ ስራሕ ጉጅለታት መቂላ ብስጥመት ስራሓታት ክትዓምምን ዘድልዩ መጽናዕትን ክገብራ ወሲነን። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2025 ካብ ዕለት 01 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን ክካየድ እዩ ። ኣብቲ ኣኼባ ክልተ ካብ ላዕሎዎት ኣዋሃዲት ሽማገለ ተሳቲፎም ኣላይን መሪሕ መበገስን ዝኾውን ሰነድ ብምቅራብ ንኣኼባ ዕዉትን መሃርን ሓጋዝን ኮይኑ ኣኼባ ብምሉኡ ብጽሞና ሰሚዑ ክጥቀመሉ ኣስሚሩሉ።