ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኣመንቲ ምስልምና፡ እንኳዕ ናብ መበል 1446 በዓል ዒድ ዓረፈ (ዒድ ኣል ኣድሓ) ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና” እናበለ፡  እዚ ክቡር በዓል ናይ ሰላም፡ ቅሳነትን ራህዋን ክኾነልና ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ኣብዛ ናይ መስዋእትነት ዕለት ኮይና፡ መጻኢና እዚ ኣብ ከባቢና  ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና ውግእን ህውከትን  ተቐንጢጡ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር ኤርትራውያን ብዘይ  ኣፈላላይ ሃይማኖትን ካልእን ሓቢሮም ኣንጻር ኩሉ ወጽዓታት ተቓሊሶም ዘተኣማምን ህድኣት ዘውሕስሉ ንክኸውን ዘለና እምነት ደጊምና ንገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

6 ሰነ 2025

ፕረሲደንት ኣሚሪካ ሮናልድ ትራምፕ፡ ብ4 ሰነ 2025 ነቲ ኣብ  ናይ ቀዳማይ ዙር ስልጣኑ ጀሚርዎ ዝነበረ ብምሕዳስ፡ ዜጋታት ኤርትራ እትርከበን12 ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይበጽሑ ዝእግድን ናይ ካለኦት 7 ሃገራት ዜጋታት ድማ መሰል ዝግድብ ውሳነ ከም ዝኸተመ ኤኤፍፒ (AP)  ሓቢሩ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ስልጣን ምርካቡ፡ ነዚ ካብ 9 ሰነ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል እገዳን ገደብን ዝወሰነ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሚሪካ ኣብ ጐኑ ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸ እዩ። ካብዘን 12 ሃገራት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ስልጣን ትራምፕ ኣብ ዝርዝር እገዳ ዘይነበራ ከም ዝርከበን እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እተን ኣብዚ ሓድሽ ውሳነ ዜጋታተን ኣሜሪካ ከይበጽሑ ዝተኣገዱ 12 ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያማር፡ ቻድ፡ ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶሪኣል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊቢያ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን። እተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ሓያል ገደብ ዝተነበረ 7 ሃገራት ከኣ ቡርንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሰራልዮን፡ ቶጎ፡ ቱርክመስታንን ቨንዝዋላን ምዃነን ኣብቲ ዜና ኤኤፍፒ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ምሉእ እገዳን ምድራትን፡ ሕጋዊ መንበሪ ፈቓድ ንዘለዎም፡ ህያው ዝኾነ ቪሳ ዝሓዙ፡  ከምኡ እውን ሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ምሕላው ንዝርከቡ ዜጋታት እተን ሃገራት ከምዘይምልከት ተፈሊጡ።

ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ “ናይ ታህዋኽ ስጉምቲ” ክብልዎ እንከለወ፡ ካለኦት ግና ትራምፕ ነቲ ሃገሩ ካብ ናይ ወጻኢ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝኣተዎ ቃል’ዩ ዝፍጽም ዘሎ ይብልዎ ኣለዉ። ትራምፕ ብወገኑ ደጋጊሙ እቲ ውሳነ ናይ ኣሜሪካን ህዝባን ድሕንነት ንምሕላ እዩ ኢሉ እዩ ዝገልጾ።

Thursday, 05 June 2025 21:21

Dimtsi Harnnet Kassel 05.06.2025

Written by

የማነ ገ/መስቀል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡  ዓሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዓይሻ መሓመድ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 34 ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝበሎ መልሲ ሂባ። ንሳ ኣብቲ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን  ዝሃበቶ ሓጺር መብርሂ፡ “ሃገር እዮም ኢልካ ክትጽወዖም ዘጸገሙ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ምፍታኖም ዝተለምደ ባህሪኦም እዩ” ክትብል ሸምጠጣ  ኣቕሪባ።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ብ3 ሰነ 2025  ንናይ ዓሻ ኣሽሙር  ክምልስ እንከሎ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ተጻረፍቲ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ኩሉ ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ናይ ኤክስ/X ገጹ ጽሒፉ።

ናይ ቅድም ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኣባል ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ “ኤርትራውያን መዓልቲ ነጻነት ከኽብሩ ኣይደልዩን እዮም” ብዝብል ኣበሃህላኡ ዝፍለጥ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡  ሕብረተሰብ ዓለም ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ንከተውጽእ ተጽዕኖ ይግበረላ ክብል ሓድሽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣንበሳደር ዲና ሞፍቲ እውን ንመደረ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ነጻነት መልሲ ብዝመስል መልክዑ፡ ኣብቲ “ሆርን ረቪው” ኣብ ዝተባህለ ትካል ዜና ዘስፈሮ ርኢቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር ከተባእስ ምፍታን ዝኣረገ ባህሊ እዩ” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝህቦ ሓገዝ የቋርጽ ከም ዝበለ፡  እቲ ኣብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ርኢትኡ ይሕብር።

እዚ ምምልላስ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት፡ ካብቲ ብኢድ ኣዙር ብማሕበራዊ መራኸብታት ክሸማጠጥዎ ዝጸንሑ ወጺኦም ናብ ቀጥታዊ ናይ ቃላት ዳርባ ይኣትዉ ከምዘለዉ የመልክት። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መፍትሒ እምበር፡ ኣብ ውግእ ረብሓ ዘየብሉ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጹ ንከስምዕ ዝጽውዕ ደወል’ዩ።

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብ3 ሰነ 2025 “ኣብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ገዳርፍ ተሰዊኡ” ዝብል ዜና ብኣዝዩ የሰንብድን ከቢድ ሓዘንን ሰሚዕናዮ።

ብ1943 ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ግራረት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ ኣብ ከረንን ኣስመራን ዝተማህረ መሓመድ ዑመር የሕያ፡ ብሞያኡ መምህር ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ካብ ኣባልነት ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) 1958 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተሳተፈ፡ኣብውራ ድማ ብሰንኪቲ ኣብ ከተማ ከረን ብ03 መጋቢት 1958 ኣንጻር መደባት ስርዓት ሃይለ ስላሰ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፍን ተሳትፎኡን ብጸላኢ ንዝተፈላለያ ግዳያት ይቃላዕ ከም ዝነበረን ብዛዕባ ድሕረ-ባይትኡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ይምስክሩ።

 ድሕሪ ብረታዊ ተጋድሎ ምምስራት ከኣ፡ ንዝተጀመሮ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምዕዋት ብ1963 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ይኹን እምበር ንዝነበሮ ኣፍልጦን ስፍሓት ርኽክብን ኣብ ኣገልግሎት ሰውራ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ንምውዳብ ናብ ከተማታት ተመሊሱ ዕማማቱ ንምቕጻል ተመደበ። ጸኒሑ ግን ጠሪሱ ንሜዳ ወጺኡ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ካብ  ካርቱም ክሳብ መላእ ሃገራት ዓረብን ኢራንን ብተወፋይነት ግዲኡ ኣበርኪቱ። ደሓሪኡ’ውን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሒ መሪሕነታዊ ሓላፍነታት ኣብ ሜዳን ወጻእን ግቡኡ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።

መሓመድ ዑመር ንጡፍ፡ መደባቱ ንከዕውት ጐዩ ዘይደክምን ዝተረኣዮ ካብ ምዝራብ ንድሕሪት ዘይብልን፡ ተዋዛያይን መኽበሪ ብጾቱን ምንባሩ እውን ዝምስከረሉዩ።

ብመስዋእቲ ምሕላፍ ናይ ኩልና እንኸፍሎ ዕዳ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና መሓመድ ዑመር የሕያ እውን ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ብጾቱ ኣብታ ዋጋ ዝኸፈለላ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ።

መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ ነባር መቓልስቶም ዝኾነ ሓርበኛ ተቓላሳይ መሓመድ ዑመር የሕያ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም እናገለጹ፡ ንስዉእ መንግስተሰማያት፡ ንቤተሰቡ፡  መቓልስቱን ፈተውቱን ከኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይምነዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

4 ሰነ 2025

ዘመናዊ ዲፕሎማሲ modern diplomacy) ዝተባህለ ትካል፡ ብ2 ሰነ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፈጸሞ በደል ከይተቐጽዐ፡ ዝነወሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ጨቋኒ ምምሕዳር ዝጸንሐ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ውግኣት ተመኩሮ ዘጥረየ፡ ከምኡ እውን ከባቢ ኣብ ምሕማስ ሰፊሕ ግደ ዝጸንሖ ባእታ“ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ትካል ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ምስዚ  ኩሉ ገበናቱ  ብዓለም ለኻዊ ትካላት ትኹረት ክግበረሉ ከም ዘይጸንሐ እውን ኣስፊሩ።

ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ 1998-2000 ውግእ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ኣብ ኩነተ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ 2018 ከም ዝተቐየረ መዝጊቡ። እንተኾነ እቲ ናይ 2018 ስምምዕ ኣብ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ሓባር  ራኢ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽልእን ናይ ሓባር ጸላእየይ እትብሎ ምጥቃዕን ዝተሰረተ ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር ግዝያዊ ሸቶኦም ነቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል እጃም ዝነበሮ ህወሓት ምጥቃዕ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣብ ዘእተወሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ህልቂትን ዕንወትን ከም ዘውረደ ብትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተመዝጊቡ ዝተረጋገጸ ምዃኑ  ጠቒሱ፡ እኝተኾነ እቲ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሓዝዎ ሸቶ ንሱ ጥራይ ከምዘይነበረ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከእቱ ቅኑዕ ኣይነበረ ኢሉ፡ እንተኾነ ሎሚ እውን ዋላ’ኳ እቲ ውግእ፡ ብስምም  ምቁራጽ ተኹሲ ጠጠው እንተበለ፡ ኢሳያስ ግና ካብ ምስዋር ውግእ ዓዲ ኣይወዓለን ኢሉ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣብ መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊቲ  ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ብዝርዝር ጠቓቒሱ፡ ነቲ ክሱ ዝተለምደ ናይ ኢድ ኣዙራዊ ተግባር  እዩ ኢልዎ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግዳይ ኩሉ በደላት ኮይንዎ ዝጸንሐ ዘርዚሩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኤርትራ ብዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ብሰንክዚ ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ዝፈጥሮ ዘሎ ዞባዊ ዕግርግር ግዳይ እገዳ ክትከውን  እትኽእሎ ከምዘሎ ብምግማት ስግኣቱ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንከኣቶ ዝፈቐዶ ተሓታቲ ክኸውን ይግበኦ’ውን ኢሉ።

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ

ካብ ብሄራዊ ምርጫ ብርድ ኢትዮጵያ፡ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ ምስክር ወረቐት ዝተዋህበ ሓድሽ ውድብ፡ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 6 ሳምንታት መስራቲ ጉባአኡ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ። እዚ በቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ዝነበረ ኣካል ህወሓት ዝምስረት ዘሎ ውድብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ቀበለ ኣካላቱ ዘርጊሑ ኣብያተ-ጽሕፈት ከም ዝኸፍት፡ ኢትዮ-ኢንሳይደር ነቲ ብ31 ጉንበት 2025 ኣብ ሆቲል ሸራተን ኣዲስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ’ያ ሓቢራ።

ናይቲ ሰልፊ ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓደ ካብቶም መስረቲ ዝኾነ ናይ ቅድም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሃቢ ቃል ዝነበረ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ግዝያዊ ናይ 3 ኣዋርሕ ፈቓድ ዝረኸቡ ከባቢ ሚእቲ ኣባላት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ናብ ዕላዊ ጉባአ ንምእታው ዘኽእልዎ ኣባላት ናይ ምምልማል መደብ ከም ዘለዎ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ናይ መመልመሊ መዕቀኒኦም ብዝምልከት ከም ዝጠቐሶ ድማ መጻኢት ትግራይ ንዝሃንጽ መንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ዝያዳ ቆላሕታ ከም ዝህቡ ኣብሪሁ።

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣተሓሒዙ፡ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ቀንዲ ኣካላት ሰለስተ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እሞ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ፡ ናይ ቀደም ናይቲ ውድብ ባልላት ነይሮም ንለጢ ክቃለስ ዝጸንሐን ንጡፋት  ካድራት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉን ክብል ዘርዚርዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣባላት ህወሓት ትግራይ ንዘይነበሩ መንእሰያትን ምሁራት ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ እውን ኣመልኪቱ። እቲ ኣገባብ ኣመላልምላ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ጽባሕ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ኣስተዋጸኦ ክገብሩ እዮም ዝበሎም ንምስታፍ   ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንኣመሰራርታ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ኣብ ዘሎ ትግራዋይ ከም ዘተኩሩ ብምጥቃስ፡ በቲ ናይ ኣመሰራርታ ኣዋጅ መሰረት፡ ሓደ ብሄራዊ ሰልፊ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ መስራቲ ጉባአኡ ካብ ዝሳተፉ ልዕሊ 60% ነበርቲ ናይቲ ክልል ክኾኑ ስለ ዝግባእ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ኣብ ትግራይ ከም ዝኸውንን መስራቲ ጉባአኦም  ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝካየድን ሓቢሩ።

እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድሕረ-ባይትኡ “ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ትግራይ” ዝምስረት ዘሎ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብዶ ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ኣካል ህወሓት፡ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ “ውድባዊ ኣባልነቱ ተሰሪዙ” ኣብ ዝተባህለሉ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ መልከዓቱን ግዜኡን ናይ ዝፈላለ፡ ተገዲዱ ዝኣተዎ ቃልሲ ሃብታም ተመኩሮን ነዊሕ ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ኣብ 40ታትን 50ታትን ኣብ ኣዝዩ ውዑይን ውዱብን ቃልሲ ተዋሲኡ። እንተኾነ በቲ  ዝመረጾ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልሲ ኩለመዳያዊ መሰላቱ ከኽብር ኣይተዓወተን። ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያት ከኣ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ሓያላት ናይ ረብሓ ዘራያቱን ናይ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ሕቶኡ  ንምጉዕጻጽ ኣንጻሩ ብምስላፎም ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ  ኣብ ቅድሚ ህዝብና ዝነበረ  እንኮ ምርጫ ቃልስኻ ቀጺልካ ባህግኻ ምውሓስ ጥራይ እዩ። ምስ ኩሉቲ ዝነበረ ሕልኽልኻት ቃልሱ ክቕጽል ምምራጹን  ምዕዋቱን ከኣ ድሙቕ መግለጺ ታሪኻዊ ጽንዓቱ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

 ኣብቲ እዋንቲ ኮይንካ ኣይኮነንዶ ከተካይዶ ክትሓስቦ’ውን ኣጸጋሚ ናብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ምእታዉ፡ ብሓፈሻ ንብዙሓት ህዝብታት ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት መግዛእቲ “ዘይገሃድ ሕልሚ” ኮይኑ ይረኣዮም ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ትብዓቱን ሓድነቱን ንኹሉ ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዘጋጠሞ  ብደሆታት ተጻዊሩ ድሕሪ 30 ዓመታት ነጻነቱን ልኡላውነቱን ካብ ዘረጋገጽ እነሆ  34 ዓመታት ኮይኑ። ገለ ወገናት ነቲ ህዝብና ኣብቲ ግዜቲ ዘርኣዮ  ተኣምራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ብምዝካር፡ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ደኣ እንታይ ኮይኑ እዩ ንሓደ ኣብ ኣንግድዓኡ ዝተጻዕነ መላኺ ስርዓት ተሰኪሙ  ዘሎ”  ዝብል ሕቶ ክሓቱ ይስምዑ  እዮም።

ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ከም ትጽቢት ህዝባ ኣይኮነትን። እዚ ድማ ብብኩራት ብዙሕነታውን ሕገመንግስታውን ምምሕዳር ዝረአ  ዘሎ እዩ። ህዝብና ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ግዜን ዘኽፈሎ ክቡር ዋጋን ኣብ ግምት ኣእትዩ “ርእዩ ከምዘይረኣየ” ኮይኑ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኩነታት ኣመዓራርዩ ናብ ንቡር ንክምለስ ዕድልን ግዜን ሂቡ ተጸብይዎ እዩ። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ንትዕግስትን ሓላፍነታዊ ትጽቢትን ህዝቢ ተገንዚቡ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝሰምዕ፡ ብኣንጻሩ ብትዕቢትን ምስትንዓቕን በቲ ትምክሕተኛ  ምርጫኡ ቀጺሉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ጐደና ኣይተመልሰን። ኣብ ግዜ መግዛእቲ  “ካብ ኣብ ኣርዑት ባዕዳውያን  ምንባር ንነጻነት ምቅላስ” ዝመረጸ ተባዕን መስተውዓልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ጠላምን ጨቋንን ምምሕዳር ህግደፍ’ውን ኣብ ትሕቲ ክቱር ወጽዓን ጭቆናን ካብ ምንባር “ምእንቲ ሓርነት ምቅላስ” ክመርጽ ተገዲዱ፡ እነሆ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ  ሓርነት  ይስጉም።

ከምቲ ኣብቲ  ንነጻነት ዝተኻየደ ደማዊ ቃልሲ መሪርን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፍለ፡ ሎሚ ይካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን ዝያዳ ረቂቕን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ረቂቕ ብምዃኑ ክመዝንዎን ክርድእዎን ዘይከኣሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ “ንጭቆና ህግደፍ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝተቐበለ ኣምሲሎም” ክገልጽዎ ዝፍትኑ ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። በብግዜኡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ክፍጸም ዝጸነሐን ዘሎን፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይትን ምንፋግ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኮታ ጸረ ዲሞክራሲ ተግባራት ህግደፍ፡ መርኣያ ክብደትን ርቀትን ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ዘመልክት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ቃልሲ ህዝቢ ንሓርነት  ድሕሪ ነጻነት፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝወሰዶ ዓመታት ዝያዳ ዝወስድ ዘሎ  ኮይኑ፡  ብሰንኪ ባዕላውን ወድዓውን ሕጽረታትን ተጽዕኖታትን ጋና ኣይተዓወተን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም፡ ህዝብና ካብ ቃልሲ በዂሩ ከምዘሎ ዘይኮነ፡ ክብደት ናይቲ ቃልሲ እዩ ዘርኢ። ካብቶም ድሌትን ትጽቢትን ህዝቢ ዘማላኽቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣንጻር ህግደፍ ብግብሪ ዝተራእዩ ናይ ተቓውሞ ተበግሶታት ካብ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ወርሒ ግንቦት 1993 ጀሚርካ ክሳብ  ምንቅስቓስ ፎርቶ ወዲ ዓሊን ተቓውሞ ሓጂ ሙሳን ተምሃሮ ዲያእ ኣልኢስላሚያን ዝጥቀሱ እዮም።   ክሳብ ገጠራት ዝዝርግሑ ብዙሓት ግዳይ ማእሰርትን ካልእ ስቓያትን  ዝኾንሎም ምንቅስቓሳት’ውን ተራእዮም እዮም። እቲ ህዝባዊ   ኒሕን ሓቦን ሎሚ እውን ቅሂሙ ዘይኮነ  ፈኸም ዝብል ዘሎ እዩ።

እቶም ጸረ ህግደፍ ተበግሶታት ዘልዕልዎም ዝነበሩ ሕቶታት ህዝባዊ ባህሪ  ስለ ዝነበሮ፡  ብመሰረቱ ህዝቢ ንክዕወቱ ዝጽበዩ ዝነበረን ዘሎን እዮም። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ እዞም ጸረ ህግደፍ ንቕሎታት በቲ ጉጅለ ዝተወስዱ ጨካን ስጉምትታት ከኣ ክሳብ ክንደይ በቲ ኩነታት  ይሰግእ ከም ዝነበረ ዘመልክቱ እዮም። ስግኣቱ በቲ ናይ ሽዑ ስንባደኡ ዝደረት ዘይኮነ፡ ክሳብ ሎሚ እውን መመሊሱ ዘባህርሮ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ዋላ ግዜ ይንዋሕ እቲ ጭቆና’ውን ይኽበድ ከምቲ  ቅድም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምንባር ኣሜን ዘይበለ፡ ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆናን ዲክታተርነትን ክነብር’ውን ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከም ዘየብሉ ዝረደኦ እዩ።  እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ንክዕወት ክማልኡ ካብ ዘድልዩ ወሰንቲ ቅድመ-ተደላይነታት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝባዊ ቃልስን ኣብ ወጻኢ ዘሎ   ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕበልን፡ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ  ስዩም ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2005 ዝበሎ፡ ናይ ክልቲኡ ወገናት ናይ ቃልሲ ቀለበት “ኣደልዲልካ ምስጣም”  ወሳኒ እዩ።

እዚ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ምትእስሳር ክንድቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ምዃኑ፡ ምርግጋጹ ከኣ ከቢድ ጸዕሪ ከም ዝሓትት ተገንዚብካ ምውፋይ ከም ዘድሊ ከኣ ምግንዛብ  ይግባእ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ማዕረ ዘበርክተሉ እምበር፡ ሓደ ተግባሪ እቲ ካልእ ከኣ ተጸባይ ዝኾንሉ ኣይኮነን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ሃንቀው ዝበሎ ዘሎ ዓወት ንምብጻሕ፡ ብዘይካ ቃልሱ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ንግብራውነቱ ንክተግህ ከም ወትሩ ነዘኻኽሮ። እንተ ብህግደፍ ዝረአ ዘሎ ዓንዳሪ  ኣካይዳን ህውክውተኛ ሸበድበድን ናብ ህዝቢ ዝማእከሉ  ለውጢ ክስጉም እትጽበዮ ኣይኮነን።

Page 4 of 606