ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ (ካብ መድያታት ኢትዮጵያ)

ግብጺ ኣንጻር ኢትዮጵያ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣቕሪባ። ኣብቲ ዘቕረበቶ ጥርዓን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ኣባይ ትወስዶ ዘለና ስጉምቲ ዞናዊ ሓደጋ ዝፈጥርን ኢደ-ወነናውን ምዃኑ ብምጥቃስ ንክትሓስበሉ ጸዊዓ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ ባድር ኣብደላቲ ብ31 ነሃሰ 2024 ናብ ፕረሲደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 5ይ ዙር ምምላእ ማይ ሓጽቢ ኣባይ ክንቅጽል ኢና ንዝበልዎ “ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ግብጺ ከም እትኹንኖ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ተግባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንስምምዕ ሱዳን፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብ2021 ዝሃቦ መግለጺ ዝጻረር እዩ ኢለምዎ።

እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበ ኣተሓሒዙ፡ ተግባር ኢትዮጵያ ንኣድላይነት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕብባርን ግምት ከም ዘይህብ ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ መጻኢ ታሕሳስ 2024 ህንጻኡ ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ ክሳብ ሎሚ 62.5 ቢልዮንን ኩቢክ ማይ ሒዙ ዘሎ ክኸውን እንከሉ፡ ነዚ ዓቐን  ክሳብ  መጻኢ ታሕሳስ ካብ 70 ክሳብ 71 ቢልዮን ኩቢክ ናይ ምብጽሑ መደብ ከም ዘሎ ጠቒሱ። እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ ናይቲ ሓጽቢ ድማ 74 ቢልዮን ኩቢክ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ። ግብጽን ኢትዮጵያን ካብ ቅድም ጀሚረን ኣብ መስርሕ ምምላእ ማይን ምምሕዳር ናይቲ ሓጽብን ግደ ንክህልወን ዘኽእል ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ  ክህልው እየን ዝደልያ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ ይርከባ። ኢትዮጵያ ብዛዕባ ወደብን ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕርን፡ ምስ ሶማሊላንድ ብባሕቲ ትሪ 2024 መሰማምዒ ሰነድ ምስ ፈረመት ሶማሊያ መቃድሾ፡  ልኡላውነተይ ደፊራ ብዝብል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓልለ ወጥሪ እየን ዘለዋ። ግብጺ ድማ ነዚ መዝሚዛ ምስ ሶማሊያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ብምፍራም፡ ድሮ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ናብ ሶማሊያ  ተእትው ከም ዘላ ይንገር ኣሎ።

ሶማሊያ ብወገና ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣካል’ቲ ኣብ ሃገራ ዝዋፈር ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዓቃብ ሰላም ክኸውን ከምዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ገሊጻስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ይወጹ ኣለዉ። ስለዚ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ዝጸንሓ ፍልልይ ብውሕዱ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ኣዙር ውግእ ከይትኣቱ ይስጋእ ኣሎ። ዋላኳ ብዙሕ እንተዘይተዝርበሉ ጉጅለ ኢስያስ እውን ወገን ሶማልን ግብጽን እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ናይ ጉዕዞ ገደብ ናብ ኣሜሪካ ከም ዘንበረ ኣፍሊጡ። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ግብርን ቀረጽን ምኽንያት ብምግባር ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ጽጉማት ኣካላት ቀልጢፉ ከይበጽሕ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ሰባት እንተላይ ዝተወሰነ ከም ዝኾነ፡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ኣብ ዋጋ ነዳድን መጐዓዝያን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቲ ነዳዲ ስለ ዝሓዝዎ፡ ኣብ  ረዲአት ናብ ጽጉማት ምብጻሕ ዕንቅፋት ይፍጠር ኣሎ ክብል ከሲሱ። ምስዚ ብዝተትሓሓዘ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዋጋ ትራንስፖርትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአትን ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታት ቅልጡፍ መእረምታ ንክገብር ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማቴው ሚለር ኣብ  መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዳ ውግእ ሕድሕድ ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝረኣየለን ሃገራት ዓለም ኮይና ከም ዘላ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣተሓሒዙ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ክበጽሕ ዘለዎ ናይ ምትግባር ዓቕምን በቲ ኣብ  2018 ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም ክምእዘዝ ዘለዎ ቅሩብነትን ኣዛራቢ ምዃኑ ጠቒሱ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ                    

ኣብ መፋርቕ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡  ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን መዋፈሪኡ ክትከውን ኣዕበያ። ነዚ ዘረጋገጾ ብጉልበት ናይቶም ኤርትራውያን ደቀባት ነይሩ። መሬት ሕርሻ ኤርትራ መንዚዑ፡ ጉልበቶም መዝሚዙን ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ምስዝነበሮ ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ኣይረዓሞን።

 ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ምሕዝነት ስዕረት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡ ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝነበራ  ሃገራት ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ስለ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ትጽቢት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየማልኣን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ዘይጉነጻውን ኣገባብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ክኽተል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት   ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20  ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ ኣየቋረጸን።

እቲ ብኸምዚ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ፡ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን  ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን63 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ብዛዕባ ምጅማሮምን ዝሰዓብዎም ሓርበኛታትን ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ንምምላስ ድልዊ ምዃን  እዩ።  እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ሓደራ ክርከብ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” ዝተባህሎ ስራሕ ክንዓመም ይግበኦ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሓቢርካ ምቅላስ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣዝዩ ዕዙዝ ኣብ ዝኾነሉ፡ ግደ መንእሰይ ወሳኒ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መንእሰይ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተገንዚቡን ብሓባር ዝቃለሰሉ ኩነታት ምፍጣር መተካእታ የብሉን።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2024

Sunday, 01 September 2024 06:05

Dimtsi Harnnet Sweden 31.08.2024

Written by

ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና

ርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ በኪንግ ከም ዝካየድ ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ዚኣዶንግ ንናይ ሃገሮምን ወጻኢን መድያታት ብዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም።

ኣብዚ ርክብ ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እናተመርሑ ከም ዝሳተፉ እቶም ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኣፍሊጦም። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ርክብ ፕረዚደንት ቻይና ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑን መደረኦም ኣብ መጻኢ ዝምድና ኣፍሪቃን ቻይናን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ናይ ሓባር ዕቤትን ኣተገባብርኡን  ክጠቕሱ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣፍሊጦም።

ኣብዚ “ዘመናውነት ኣብ ምዕባይን ምህናጽ ማሕበረ-ሰብ ኣፍሪቃን ቻይናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ዝካየድ ርክብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ከም ዝሳተፉን ዝተፈላለያ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፈን ከም ዝዕዘባን እውን ተፈሊጡ። እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ብ2006 ኣብ በኪንግ፡ ብ2015 ኣብ ጆሃንስ በርግን ብ2018 ድማ ኣብ በጂንግ ዝተኻየደ ርክባት ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቶም ምክትል ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ቻይና፡ ፕረሲደንት ሃገሮም ክሳብ ሎሚ 5 ግዜ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጽሑ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ንቻይና ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ኩበዖ እዩ ኢሎም፡ ኣብ መወዳእታ’ቲ ርክብ ናይ ሓባር መግለጽን ናይ ተግባር መምርሕን ክወጹ ትጽቢት ከም ዘሎ  ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ጀነራል ኣልቡርሃንን ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ኣብ ዝነበርሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝለዓለ ግደ ዝጻወቱ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፈሶር እንድርያስ እሸቴ፡ ብ29 ነሃሰ 2024 ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልዩ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕሮፈሶር እንድርያስ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ ንማሕበረሰብ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ክገልጹ እንከለዉ፡ “እዚኣቶም ናብዚ ዝመጽሉ ምኽንያት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ፡ካብቶም ንማህደረ ትምህርቲ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ተመሃሮ ብዝተፈልየ ክረኣዩ ይግበኦም” ከም ዝበሉ ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ይምስክሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ -ሰውራዊ ባይቶ ብ1994፡   ኣብ መንጎ ህግደፍን ኢህወደግን ዝነበረ ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዕ መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተኣስሩ፡ ናብ ህግደፍ ንኸይርከቡ ዕዙዝ ግደ  ዝተጻወቱ እዮም። ፕሮፈሰር እንድርያስ እሸቴ ኣብ ርእሲዚ እቶም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ካብቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ቦታት  ተኣኪቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝዕቆቡ ኣብ ምግባር ሓጊዞም። ብዘይካዚ እቶም ዘይተኣስሩ ኣባላት ሰውራዊ ብዛዕባቶም እሱራት ብጾቶም ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ኩነታት ከም ዘጣጥሑ ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ዝምስክርዎ  እዩ።

ፕሮፈሰር እንድርያስ፡ ቅድም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ደሓር ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዊልያስም ኮለጅ ላዕለውይ ደረጃ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ፡ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም እዮም። እቲ ሎሚ ኢትዮጵያ ትምረሓሉ ዘላ ሕገመንግስቲ ክጸድቕ እንከሎ ከኣ ኣባል ኮሚሽን ኮይኖም ከም ዝሰርሑን   ድሕሪ ካብ ፕረሲደንትነት  ዩኒቨርሲቲ ምልቃቖም ብመዓርግ ሚኒስተር ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከም ዝነበሩን ታሪኾም ህይወቶም የመልክት።

Thursday, 29 August 2024 21:24

Dimtsi Harnnet Kassel 29.08.2024

Written by
Page 12 of 580