26 ሚያዝያን ዝኽሪ ተርጋደልቲ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን
Written by EPDP Information Officeዕለት 26 ሚያዝያ ናይዚ ዓምት እዚ’ውን ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይን) ተጋዳላይ ወልደማርያም ባህልብን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ካብ ከተማ ከሰላ ሃገረ ሱዳን ብናይ ስለላን ሽበራን ጉጅለ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተሓባበርቶምን ተጨውዮም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ መበል 33 ዓመት መጭወይቶም እንዝክረሉ ዘለና መዓልቲ’ዩ። ኣብ 1992 ዓ.ም. እዛ ዕለት እዚኣ ጾመ ኣርባዓ ተወዲኡ በዓለ ትንሳኤ (ኣፋስጋ) ዝኽበረኡ ዕለት ኢዩ ነይሩ። በቲ ኣጋጣሚ ሓደ ንብጻይ ወልደማርያም ባህልቢ ቀረባ ዘመዱ ተስፋጼን ገብረሱስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ክልቲኦም ምሳሕ ዓደሞም።
እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ይትረፍዶ ኣብ ቀረባኻ ምስዘሎ ቤተ-ሰብስ፡ ዋላ እቶም ኣብ ርሑቅ ዝነብሩ ኣባላት ስድራ-ቤታት እንተኾነውን ናብ ዓዶምን ስድራኦምን ተጓዒዞም ብሓባር ምስ ወለዶምን መታዓብይቶምን ዝውዕሉላን ዝራኸቡላን መዓልቲ ስለዝኾነት፡ ብጾት ንዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ ዕድመ ብዘይ ገለ ምኽንያት ይቕሬታ ክሕተቶ ዘይካኣል እዃ እንተነበረ ኣብዘይጥዕሞም ሰዓታት ስለዝነበረ እቲ ዕድመ ንምሳሕ ምዃኑ ተሪፉ፡ ብሓባር ንኽቈርሱ ተሰማምዑ። ምኽንያቱ ዓዳማይ ናይ ግድን ኣብ ሓዲኡስ ክንራኸብ ኣለና ስለዝበሎምን ንባዕሉውን እቲ ዓዳማይ ነቲ በዓል ምስቶም ኣብ ሱዳን ዝቕመጡ ስድርኡ ብሓባር ንኸብዕሎ ኢሉ ካብ ስዑድያ ዝመጸን ኢዩ ነይሩ።
ከም ቈጸራኦም ከይዶም ድማ ብሓባር ቈረሱ። ድሕሪ ቁርሲ ገለ ግዜ ጸኒሖም ንኽብገሱ ፍቓድ ምስ ሓተቱ ዓዳማይ ሓንሳብ ጽንሑ ካብ ዕዳጋ (ሱቕ) ዝዕደግ ኣለኒ ብምባል ንሓንቲ ካብተን ብሽግለታት ናይዞም ብጾት ወሲዱ ንወዱ ለኣኾ። ወዲ ተስፋጼን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ተመልሶም’ሞ፡ እዞም ብጾት ብሽግለታኦም ስለዝተመልሰትን ዝኣኽሎም ናይ ዕላል ግዜ ስለዝወሰዱን ንክኸዱ ፍቃድ ሓተቱ። ተመሳጊኖም ካብቲ ገዛ ምስ ወጹ፡ ድሕሪ ቁሩብ ስጉምትታት፡ ካብቲ ዝነበርዎ ገዛ ከይራሓቑ፡ ሓደ ሰብ ምስ ምሉእ ወታሃደራዊ ልብሱ ኣብ ቅድሚኦም ጸኒሑ ደው ኣበሎምም፡ ኣብ መደበር ወታሃደራዊ ስለያ ናይ ከሰላ ትድለዩ ኣለኹም ድማ በሎም። እዞም ብጾት ነዚ መጸዋዕታዚ ከም ሓድሽ ጉዳይ ገይሮም ኣይወሰድዎን። ምኽንያቱ ኣባላት መሪሕነታት ኮነ ካድራት ተቓወምቲ ውድባት ብጸጥታ ናይቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ክሕተቱን ክጽዉዑን ልሙድ ኣብርእሲ ምዃኑ ክልቲኦም ከኣ ኣባላት መሪሕነት ብምንባሮም ምስ ክራኸብዎም ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሃገር ናይ ስራሕ ሌላታትን ርኽክባትን ስለዝነበሮም ነቲ ወታሃደር ሰዓብዎ። ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ብዘይካቲ ናብ ኤርትራ ምውስዶም ሓበሬታ ኣይተረኽበን።
ውዲቲ ንምሳሕ ዝዓደመ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ብብሽግለታ ተላኢኹ ዝተመልሰ፡ መልእኽቲ ናይ ወላዲኡ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ስለዝተገንዘበ ብጾት ካብቲ ገዛ ምስተሰናበቱ ብካንሸሎ/መካበብያ ናይቲ ገዛ ይኸታተሎም ነበረ። እቲ ፖሊስ ደው ኣቢሉ ከዘራርቦም ምስራኣየ ድማ ኣይቀሰነን። ስግኣት ስለዝሓደሮ ድማ፣ ኲነታቶም ንምፍላጥ ደድሕሪኦም ስዒቡ ክሳብቲ ወተሃደራዊ መደበር ሱዳን ዝኣትዉ ከምዝተኸታተሎም የረጋግጽ። ክልቲኦም ብጾት ብወተሃደራት ተኸብኪቦም ተወሲዶም ዝብል ወረ ኣብቲ ከተማ ምስተሰምዐ ጉዳዮም ንምፍላጥን መዕለቢኦም ንምርግጋጽን፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ምድላዮም ጻዕርታት ተኣትወ። ነዚ ዝሰምዐ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝሕብሮ ድማ “ክልቲኦም ዝተሰቕሉዋ ሓንቲ ብብርቱዕ ናህሪ ኣትጐዓዝ ዝነበረት ቶዮታ ካብ ከተማ ከሰላ ንዶብ ኤርትራ ገጻ ክትወጽእ ርእየያ” ይብል።
በዚ ኣገባብዚ ድማ ኣብ ኢድ ናይቲ መፈንጠራዊ ስራሓት ንምስልሳል ውራየይ ኢሉ ዝተዓጥቀ ኣካል ስለያ ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ መርሃዊ ክብሮም ዝተባህለ ባእታ ቅድም ኣባል ተሓኤ፡ ድሕሪ 1982 ከኣ ኣባል ተሓኤ ሓጋጊ ኣካል ዝጸንሐ፡ ቀጺሉ ኣባል ስሙር ውድብ ዝነበረ ዕሱብ ከምዝወድቁ ኮነ። መርሃዊ ክብሮም ድሕርዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ጎቦታት ሓልሓል ዝነበረ መደበር ስለላ ህግዲፍ እንዳተዋፈሩ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝንቀሳቀሱ ኣብ ቅንጸላን ምጭዋይን ኤርትራውያን ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ናይ ስለላን ሽበራን ጉጅለታት ናይቲ ስርዓት ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። “ሰራቕ ሞባእስ ባዕሉ ይለፋለፍ፡ ከምዝባሃል፡ ኩሎም ኲነታት ናይዞም ዝተጨውዩ ብጾት ዝሰምዑ ኣባላትን ዘይኣባላትን ውድብ ብጭንቀት ተዋሒጦም ንምንዳዮም ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ ዝነበረ ግዜ፡ ተስፋጼን ገብረሱስ ግን ብዛዕባኦም ከይሓተተን ከይተሻቐለን ምሉቅ ኢሉ ንስዑድያ ከይዱ። ቅድሚ ምብጋሱ ግን፡ ንሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ብጻይ ወልደማርያም ዝዀነት ሰብ፣ “ኣይትሸገሪ ናብ ዓዶም ኢዮም ኣትዮም ዘለዉ” ከም ዝበላ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ውድብ ድሒሩ ብዘካየዶ ክትትልን ምጽራይን፡ እዞም ኣባላት መሪሕነት ብተሓባባርነት ጸጥታ ሱዳንን ተስፋጼን ገብረሱስን ብናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ስለላ ኣካላት ከምዝተጨውዩ ምሉእ ብምሉእ ተረጋገጸ።
ብድሕር’ዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብቁጽሪ መዝገብ 754 ዓንቀጽ 162 ናይ 1958 ዝጸደቐ ናይ ሱዳን ሕጊ መሰረት ክሲ ኣቕሪቡ። ብ16.05.1992 ከኣ እቲ ቀዳማይ ኣብ ምጭዋዮም ቀጥታዊ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ተስፋጼን ካብ ሱዳን ንኸይወጽእ በቶም ሰበ-ስልጣን ከምዝተወሰነ ይዝከር። ተስፋጼን ገብረሱስ ግን ኣብቲ ውዲት ዝዓበየ ኢድ ከምዝነበሮ ከይኽሻሕ፡ ቅድሚ እታ ናይ ሕጊ ኢድ እተርክቦ ናይ ምውጻኡ መደብ ኣዳልዩን ሰሪዑን ስለዝጸንሔ ከምልጥ ከኣለ። እንተኾነ ዋላኳ ንግዝያኡ ዘምለጠ እንተመሰሎ፡ ካብ ሕማቕ ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራን ንሓዋሩ ከምልጥ ከምዘይኽእል ግን ንኣምን።
እነሆ 33 ዓመታት ሓሊፉ እዞም ብጾት ተጋደልቲ፡ ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እንዳተኸላበቱ እዚ ጨቋኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዚ የሳቕዮም ምንባሩ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ስርዓት ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላት ንኣታሃላልዉኦም ንዝምልከት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ኩሉ ግዜ ኣሉ ምስ በለ እዩ። እዞም ተጋደልቲ እዚኣቶም ኣብ መፋርቕ ናይ ሰብዓታት ከምቶም መዛንኦም ትምህርቶምን መነባብሮኦምን ጠንጢኖም በጃ ሃገሮም ክዀኑ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፉ ኢዮም። ንኹሉ ጸገማትን ሽግራትን ጠሓሒሶም ድማ በቲ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ተወፋይነትን ንመትከላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናይ ምዕዋት ተሪር እምነትን፡ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ቀጺሎም ድማ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ኰይኖም ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ተሰከሙ።
እቲ እዋንቲ ሃገርና ካብቲ ን30 ዓመታት እተኻየደ መሪር ጸረ መግዛኣታዊ ውግእ ሓራ ዝዀነትሉ ናይ ውግእን ወረ ውግን ምዕራፍ ኣኸቲሙ፡ ናይ ዳግመ ህንጻ፡ ስኒትን ዲሞክራስን ሓድሽ ምዕራፍ ክኽሰት ትጽቢትን ባህግን ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ተሓአ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ መድረኽ ብግቡእ ብምልላይን ሓድሽ ናይ ምርድዳእን ስኒትን መድረኽ ክጅምር ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንልዝብ ዝጸዋዓሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። ዕላምኡ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ስልጣን ባዶነት ንምምላኣ ዘቖ`ሞ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ደጊፍካ፣ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቀሳን ክወዳደራን ምፍቃድ፡ እተን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃመን ዘበርከታ ውድባትን ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝባዊ ውክልና ዘለዎም ሃገራውያን ማሕበራትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ብጉዳይ ሃገራዊ ቻርተርን ዲሞክራስያዊ ቅዋምን ክካየድ ትጽቢት ዝነበረሉ እዩ። ባሓቲ መርሆ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግን፣ ንውድበን ኣፍሪሰን ናብ ህዝባዊ ግንባር ይጸንበራ ዝብል ዘይተግባራውን ዘይክውንነታውን ናይ ሰማንያታት መርገጻቱ ስለዝደረቐ ተበግሶ ተሓአ ሰውራዊ ባይቶ ንስኒትን ሃገራዊ ዕርቅን ክዕወት ኣይካኣለን።
በዚ ዲሞክራስያውን ናይ ህዝቢ ረብሓ ዝሕሉን ጠለባት ዝተሰናበደት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ ዝዓለመ ወታሃደራዊ ዓመጽ ንምክያድ መረጸት። ከምኡውን ኣብ ከተማታት ሱዳን ንዝርከቡ ኣባላት ውድባት ኤርትራ ናይ ምጭዋይን ምቅታልን መደባት ሰሪዓ እከይ ተግባራታ ንኽትፍጽም ኣበርቲዓ ክትንቀሳቐስን ኣብ ምዝርራይ ክታሓባበርዋ ምስዝኽእሉ ኣካላት ጸጥታ ሱዳን ውዲታዊ ዝምድና ፈጠረት። በዚ ርኹስ ኣገባብዚ ከኣ ኢዮም ተጋዳላይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ወዲ ባሻይን ናይዚ ውድባት ንምጽናት ዝዓለመ ብቐንጻሊ ስርዓት ዝተወስደ ጃምላዊ ወታሃደራዊ ጭውያ ግዳይ ዝኾኑ።
እቲ ኣብ ዕለት 16 ጥሪ 1995 ኣልወስጥ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዓረብኛ ጋዜጣ ሱዳን ሕታም ቁጽሪ 155 ዝተቓልዐ ጸጥታዊ ሰነድ ስምምዕ ግርማይካ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ውዲታዊ ስጉምቲ ምንባሩ’ዩ ዘረጋግጽ። እዞም ኣብ ቅድሚ ሓቅን ፖለቲካዊ ግጥምያን ደው ክብሉ፡ በይኖም ገጢሞም ክስዕሩ ዘይኽእሉ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ቃጻን ውዲትን ቀንዲ መሳርሒኦም ስለዝኾነ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ቀጺለሞ እዮም።
እዞም ንጹሃት ተጋደልቲ እዚኣቶም እንታይ ዝፈጸምዎ ኣበሳ ስለዘለዎም ኢዮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ንክንድዚ ዓመታት ኣብ ዘይፍለጠሉ ናይ ስቓይን ዓዛብን መዋእል ዘሕልፉ ዘለዉ? ንዝብል ሕያዋይ ሓታታይ እቲ መልሲ፡
- ብኢሳያስ ንዝቐረበ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ተቐቢሎም ውድቦም ራሕሪሖም ናብቲ ንሱ ዝመርሖ ዓንኬል ዘይምእታዎምን ኣገልገልቲ ናይዚ ቀንጻሊ ስርዓቱ ዘይምዃኖምን፡
- ካብ ናይ ኢሳያስ ሓሳብ ዝፍለ ሃገራውን ህዝባውን ርእይቶ ስለዝነበሮምን ጥራሕ እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝፈጸምዎ ኣበሳ ኣይነብሮምን፡ የብሎምን’ውን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ዝፈልጥዎም ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወሰዶ ናይ ራዕድን ሽበራን ስጉምቲ ኣብተን ምጽንባር ዝነጸጋ ውድባት ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ፡ ክፍለጥ ይግባእ። ሓደ ካብ መለለዪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ” ዝብል ስለዝኾነ፡ ዋላ ኣባላት ናይተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን መብጻዓታቱ ኣሚነን ህልውናኤን ኣፍሪሰን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝኣተዋ ውድባትውን ካብቲ ቅንጸሊ መሓውራቱ ኣየምለጣን። ከም በዓል ዑስማን ዳየር፡ ማሕሙድ ዲናይ፡ መሓመድ ኬርን እስሌማን ሙሳ ሓጅን ዝኣመሰሉ ገዳይም ሃገሮም ዝባሃጉ ተጋደልትን እምባየ ሕድሩን ኣበይ ኣለዉ? ካልኦት ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ተጨውዮም እተወስዱ ከም በዓል ገብረሂይወት ቀለታ፡ ውልደስላሰ ቻንቹ፡ ገብረብርሃን ዘርኤ፡ ዝኣመሰሉ ተጋደልቲኸ ኣበይ ነጠቡ?
ኣብ ኤርትራ ናይ ራዕዲ፡ ሽበራን ቀንጸላን ነጊሱ ምህላዉ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኰነን። በዚ ኣጋጣሚዚ መበል ሳላሳን ሰለኣተን ዓመት መጭወይቲ ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ኣብ እንዝክረሉ ዘለና እዋን እምነቶምን ኣተሓሳስባኦምን ብዘየገድስ፡ ብልኡኻት ናይቲ ቀንጻሊ ስርዓት ተጨውዮም ዝጠፈአ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ዘገምታዊ ይኹን ሃንደበታዊ ሞት ንምድሓኖምን ነጻ ንክልቀቑን ድምጽና ከነስምዕን ከምኡውን 26 ሚያዝያ ምስቶም ብኣእዳው ቀንጻሊ ስርዓት ተጨውዮም ዝጠፍኡን ደው እንብለላን ደገፍና ንዓኣቶም እንገልጸላን ኰይና ንኽትዝከር እንጽዋዓላ ዕለት ኢያ።
ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!!
ክሳብ ምሉእ ሓርነታት ህዝብናን ነጻ ምልቃቕ ፖለቲካዊ እሱራትን ዝረጋገጽ ንቃለስ!!
ውድቀትን ስዕረትን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍን መጋበርያታቱን!
መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን መራሒ ጅቡቲ ፕረሲደንት ዑመር ገለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ጉዕዞ ስግኣት ይኸውን ንዘሎ ተርእዮታ ብትሪ ኮኒንም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም ናይቲ ባሕሪ ከም ዝተረዳድኡ ኣል ኣህራም ኦን ላይን (Ahram Online) ዝተባህለት መዲያ ኣፍሊጣ።
እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘጋጥም ብደሆታት ሓቢሮም ብዛዕባ ምምካት ኣብ ዝተመያየጥሉ መድረኽ ምዃኑ እታ መዲያ ሓቢራ። እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብቲ ርክቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣብቲ ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዝዝርጋሕ ንግዳዊ መስመር ኣዕሚቖም ተመያይጦም።
መራሕቲ ክሊቲአን ሃገራት፡ ንኣድላይነት ምብርባርን ብግቡእ ከም ዝሰርሕ ምኽኣልን እቲ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብኣባልነት ዝርከበኦ ባይቶ ኣብ ዝምልከት እውን ተመያይጦም። ኣብቲ ምይይጦም ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ዓለምለኻውን ብፍላይ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝዳህሰሱ’ውን ኣል ኣህራም ኦንላይን ሓቢራ።
እዞም መራሕቲ፡ መንግስቲ ሶማሊያ ንምብርታዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ደጊፎም፡ ብኣንጻሩ ኣንጻር መራሒ እታ ሃገር ዝግበሩ ፈተነታት ተቓዊሞም። ኣተሓሒዞም ድማ ሱዳናዊ ሃገራዊ ትካላት ምቅርራብ ከም ዘድሊ ጠቒሶም፡ ኩሎም ሱዳናዊ ጉጅለታት ዝሳተፍሉ መድረኽ ንክፍጠር ጸዊዕም። ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝ ንክቕጽል ተማሕጺኖም፡ ሱዳን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ንክምለሳላ ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዝምልከት ዳህሳስ ከም ዘካየዱ እቲ ዜና ኣመልኪቱ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘለውዎ ዝተፈላለዩ ክእለታት ዝዋፈር፡ ስራሕ ዘይንዕቕ፡ ብሃፈ-ጻምኡ ዝነብር፡ ኣብ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ዝኣምን እምበር፡ ዘይናቱ ዝምነ ሃካይን ዓመጸኛን ኣይነበረን ኣይኮነን። ምስ ምምጻእ መግዛእትን ንሱ ዘኸተሎ ምግፋፍ መሰላትን ርእሰ-ምምሕዳርን ግና፡ ካብቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራን ክቱር ወጽዓን ንምድሓን ጐኒንጐኒ’ቲ ቃልሱ፡ ከይፈተወ ብሓፈሻ ናብ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ጐረቤቱ ዝኾነት ሱዳን ክስደድ ከም ዝተገደደ ታሪኽ ኣመጻጽእ ስደት ኤርትራውያን ይሕብር።
ድሕሪቲ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ነጻነት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ናብ ሃገሩ ዝምለስ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ ሃገሩ ስልጣን ዝበሓተ፡ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝኸፍአ ብሓፈሻ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ ብብዝሒ ይነብር ኣሎ። ካብቲ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ 600 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለያ 28 ሃገራት ይነብር ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘዳለዉዎ መጽናዕቲ የርኢ። ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ኡጋንዳ፡ ኢጣልያን ኣሜሪካን ብኣብነት ይጥቀሳ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብተን ዝነብረለን ሃገራት ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት እውን፡ ክንድቲ ኣብ ሃገሩ ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ግዱድን ደረቱ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ማእሰርትን’ኳ እንተዘይኮነ፡ በዳህቲ ተጻብኦታት ኣይተፈልይዎን።
ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣዝዩ መሪር ህይወት ዘሕልፉለን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ደቢብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ እስራኤል፡ ቱርክ፡ የመንን ግብጽን ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን። ናይቲ ጸገም ጠንቅታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ እተን ሃገራት በቲ ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ዝኸተማሉ ውዑላትን ስምምዓትን ዘይምምእዛዝን ህግደፍ ደድሕሪ’ቶም ኤርትራውያን እናሰዓበ ዝኣልሞ ውዲታትን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ ገለ ኤርትራውያን ዘይጥንቁቕ ኣካይዳ፡ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት’ውን፡ ግደ የብሉን ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።
እተን ኤርትራውያን ዝነብሩለን እሞ ምስ ህግደፍ ዘይቃደዋ ሃገራት፡ ንኩነታት ናይቶ ኣብኣተን ዝነብሩ ስደተኛታት በቲ ንህግደፍ ዝርእያሉ መዕቀኒ መዚነን፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ብምሕዳር ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ሃሳዪ ስጉምትታት ክወስዳ ይረኣያ እየን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ግና ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ወጥሪ ከይበጸሓ እንከሎ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባን መደበር ኣለውምዋጭን ዝነብሩ ስደተኛታት ከጋጥሞም ዝጸንሐ ሕማቕ ኩነታትን ህግደፍ ይግደሰሉ ዘይምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምሕጓስ ኢለን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዝገብርኦም ሃገራት’ውን ኣለዋ። ግብጺ ኣብዚ እዋንዚ እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ናይዚ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።
ናይተን ሃገራት ስጉምቲ፡ እኩይ ተግባራት ህግደፍ ናብ ስደት እውን ዝኽተለካ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ከኣ ብደረጃ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ስደቱ’ውን ግዳይ ኣሉታዊ ሳዕቤን እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጽሞ ወጽዓ ካብ ምዃን ከምዘይድሕን ብግብሪ ዘርኢ እዩ። እተን ብቕንዕና መሰል ስደተኛታት ዘኽብራ ሃገራት’ውን ጸጥታአንን ናይ ህዝበን ድሕነትን ዘቐድማ ምዃነን ኤርትራውያን ክግንዘብዎን ኣካይደኦም ብኣኡ መሰረት ዝግዛእ ክኸውንን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ጸጥታኻ ምኽባር ክበሃል እንከሎ ግና፡ ሃገራት ነቲ ዝተጻልኤኦ ህግደፍ ዝረኸባ መሲልወን ነቶም መሰሎም ክሕልዋሎም ዝግበአን ኤርትራውያን ብጃምላ ምእሳረን መፍትሒ ዘይኮነስ፡ ነዓኣተን’ውን ዘየርብሐንን ዘሕትተንን ምዃኑ ክግንዘባ ይግበአን።
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ከም ሕጋዊ ስደተኛ ዝተመዝገቡ ክነሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘየቕስን እዩ። እቲ ዘሰክፍ ተግባራት፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ክኸፍልዎ ዝግደዱ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ብጃምላ ምእሳርን ብዘይድሌቶም ናብቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ህግደፍ ምምላስን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝረአ ዘሎ ከኣ ነዚ የመልክት።
ኤርትራውያን ናይተን ከም ስደተኛ ዝነብሩለን ሃገራት ሕጊ ምኽባርን ናይ ህዝበን ባህሊ ምሕላውን ከምኡ ከኣ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ህዝቢ ምስናይን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መሰረታዊ ተደላይነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግበኦም። እዚ ግና ብፍላይ ናይተን ብዝኾነ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረን ዝነብር ናይ ወጻኢ ዜጋ መሰልን ክብርን ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለወን ሃገራት ግደ ዝዝንግዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘኪርካ፡ ክኸውን ዘይግበኦኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ መንግስቲ ከም ዝኣትዉ እትግምቶ እዩ።
ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ኤርትራውያን ብኣካላት ጸጥታን ፖሊስን ኢትዮጵያ ከም ዝእሰሩን ናብ ኤርትራ ከም ዝስጐጉን ቀጻሊ ዜና ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3ተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉ እውን መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ክሳብ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝውሰድ ማህሰይቲ ከምዘየቋርጽ ከኣ፡ ካብ ናይ 1998-2000 ውግእን ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ነቒልካ እትግምቶ እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ ምስጓጉን ምርሳይ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግባእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ዝረአ ዘሎ ብስም ኤርትራዊ ዝውሰድ ጃምላዊ ስጉምቲ ደሓር ናብ ንቡር ኣብ ምምላሱ ዋጋ ዘኽፍል ጽልኢ ምፍጣር እንተዘይኮይኑ፡ መፍትሒ ከምዘየምጽእ ክርድእዎ ይግበኦም።
ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ እውን ምስቲ ጉዳይ ዝዛመድ ሓላፍነት ዘለወን ኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበራትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጠር ቅልውላው ከሎ ጋና ከቕልብሉ ይግባእ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብመንጽር ምስ ህግደፍ ዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምጥልላም ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ዝኸተመሉ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ክህሉ ዝግበኦ ነባሪ ሰላማዊ ጉርብትና ክርእዮ ንጽወዖ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ “ኣበይ ኮይነ እንታይከ እገብር ኣለኹ?” ኢሎም ከስተውዕሉ ይግበኦም። ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ለውጢን ዜናዊ ትካላቱን ድማ ኣብ ዝረኸብናዮም ኣጋጣሚታት ነዞም ግዳያት ድምጺ ክንኮኖም ይግበና።
መዋቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣቶ ፍራህ ኣይዲድ ጃማ
ኣቶ ፋራህ ኣይዲድ ጃማ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ኣውራጃ ፑትላንድ ከተማ ገረወ ቆንስል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ላስ ኣኖድ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብ20 ማዝያ 2025 ከም ዝተቐትለ ሆርን ኦብዘርቨር (HORN OBSERVER) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
ነቲ ግዳይ ብ13 ጥሪ 2025 ኣብ ፑትላንድ ብዘሎ ጠቕላሊ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ኣቶ ወንድወሰን ተኽለ ዝተጻሕፈሉ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ግዳይ ዝኾነ ዲፕሎማት ፋራህ ኣይዲድ ኣብ ዶብ ሶማሊያን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ምሕጋዝን ምትሕብባርን ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ።
እቲ ዲፕሎማት ኣብታ ዝተቐትለላ ከተማ ላስ ኣኖድ ካብ ዝነበሮ ሆቴል ተወሲዱ ጉጃካድ ኣብ ዝተባህለ ሰንጭሮ ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ ዝሓበረት እታ ምንጪ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ሒዝዎ ዝነበረ መባይላት ከም ዝተወስደ’ውን ጠቒሳ። ናይታ ዝተቐትለላ ከተማ ምምሕዳር ሞት እቲ ግዳይ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ንኣቀታትላኡ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየወጸአ ዝሓበረ እቲ ዜና ክሳብ ሕጂ ናይቲ ቅትለት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ድሕሪቲ ዘጋጠመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት እቲ ቆንስልን ገያሾን ስግኣት ከም ዝፈጠረ እውን ተሓቢሩ።
ባህግና Bahgna Media 20.04.2025 ኣብቲ ጉዳይካ፡ ኣለኹ ባዕለይ በል፡ ህዝብና ርእሱ ከቕንዕ፡ ዲክታተርነት የብቕዕ
Written by Bahgna MediaMedia
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2025 በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር፡ ብፍላይ ንኣመንቲ ክርስትና፡ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ “እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና” እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።
ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብሓፈሻ ግዜ ጾመ-ኣርበዓ፡ ብፍላይ ድማ ሰሙነ-ሕማማት ብስግደትን ጾሎትን ፈጺሞም ናብ በዓላት ትንሳኤ ብምብጸሓም “እንኳዕ ጾመ-ልጓሙ ፈተሓልኩም” ንብል። መጻኢና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳረ-መከራ ከውርድ ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ተወጊዱ፡ ውግእን ወረ ውግእን ተሳዒሩ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ነስተማቕረሉ ግዜ ክኾነልና ተስፋና ልዑል እዩ።
ነቲ ናይ ጽዕጹዕ ጾምን ጾሎትን ግዜ ሓሊፉ ናብዚ በዓል ንዝበጸሐ ኤርትራዊ ተኸታሊ ክርስትና፡ ደጊምና “እንቋዕ ኣብጸሓና” ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ “ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይኹነልና።“ ንብል።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
19 ሚያዝያ 2025
يطيب لي أن أتقدم بتهاني القلبية لجميع الشعب الإرتري بشكل عام وللمسيحيين علي وجه الخاص سيما دول الجوار والعالم، متمنياً لهم عيد الفصح السعيد.
وفي هذه المناسبة، أدعو شعوب العالم إلى التسامح والتعاون من أجل بناء عالم يسوده السلام والعدالة والازدهار.
قرزقهير تولدي
رئيس القوى السياسية الإرترية.
19 أبريل 2025م
More...
ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ዕለት 20 ሚያዝያ 2025 በዓል ትንሳኤ ዘኽብሩ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፥ ንህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ከኣ ብፍላይ፡ እንቋዕ ጾመ-ልጓሙ ፈትሓልኩም እናበልኩ ርሑስ በዓል ፋሲካ ክዀነልኩምን ክዀነልክንን ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ሃዋህው ተቐንጢጡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ዝሰፈና ዓለም ክሃንጹ ጻውዒተይ አቕርብ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
19 ሚያዝያ 2025
ኣብ ሱዳን ወጻእተኛታት ኣብ መደበር ንምእታውን፡ ሚኒስተራት ምስንባትን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ ምስልታት ከተማ ካርቱም ድሕሪ ውግእ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ጀነራል ካሊል ባሻ ሳይሪን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጽእተኛታት ካብ መንበሪ ከባብታት ናብ ዝዳለወሎም መደበራት ስደተኛ ክውሰዱ መደብ ከም ዘሎ ምግላጹ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ሓቢረን። ናይዚ ስጉምቲ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ከም ዝርከብዎም ከኣ ካለኦት ምንጭታት ሓቢረን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሓያሎ ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዝወርዱን እቲ ስጉምቲ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል መንገዲ ንምጽራግ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ሱዳን ቅድሚቲ ናይ 23 ማዝያ 2023 ውግእ ሕድሕድ ምጅማሩ 837 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ እቲ ውግእ ግና ውሑስ ቦታ ንምርካብ ካብኣቶም 266 ሺሕ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ክሳብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ጸገማት’ኳ የጋጥሞም እንተነበረ፡ ካብ መደበራት ወጻኢ ምስ ሱዳናውያን ናይ ምንባር መሰል ከም ዝነበሮም ጠቒሱ።
እቲ ሚኒስተር ድሕሪ ካርቱም ኣብ ኢድ ሰራዊት ኣልቡርሃን ምእታዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ዝጸንሑ ወጻእተኛታት ካብቲ ምስ ሱዳናውያን ዝነብርዎ ዝነበሩ ከባቢ ናብ መደበራት ከም ዝውሰዱ ሓቢሩ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ መጻኢ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝነብሩ ዘመላኽት እዩ ኢልዎ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዓሊ ዩስፍን ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዑመር በኺትን ካለኦት ሓሙሽተ ዝርከብዎምን ሚኒስተራት ካብ ስልጣኖም ከም ዘውረደ ተፈሊጡ። እቲ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት መንገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።
ናይቶም ሚኒስተራት ምውራድ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተኣወጀ፡ እቶም ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ክልተ ሚኒስተራት ግና ካብ ስልጣኖም ከም ዝወረዱ ተኣሚኖም እንከለዉ። ብፍላይ እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ብምውራዱ ሕጉስ ምዃኑ ጠቒሱ ንሃገሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ግና ክቕጽለሉ ምዃኑ ምምልካቱ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እዚ ኩነታት፡ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሱዳናውያን ወገናት ሓቢሮም መንግስቲ ንክምስርቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ለንደን ብጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝተጋበአ ኮንፈረንስ ዝቐረበ ሓሳብ ተቐባልነቱ ዕጽዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ።
“ኤውሮጳዊ ኮሚተ ንወጻኢ ዝምድናታት/ECFR” ኣብ ዝተባህለ መርበብ ዝሰፈረ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ትግራይ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከም ዘላ ብምጥቃስን ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደገኛ ምውጣጥ ኣትየን ከም ዘለዋ ብምሕባርን ክልቲአን ሃገራት ካብ ተግባራተን ከቋርጻ ብትሪ ጸዊዑ። ዝምድናአን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ዝተበላሸወ ዝጠቐሰ እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ምድላው ንዝለዓለ ውግእ ከም ዝርከባ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክተት ክትጽውዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ክልል ዓፋር ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዘጐዓዘት ኣብቲ ድሕረ ማይታ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝዳህሰሰ ሰፊሕ ተንተና ኣስፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ ብ1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ዝጀመረ ውግእ ቀልጢፉ ከም ዝሰፍሓ ዝገለጸ እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ድሕሪ ትግራይ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ 2022 ዝምድናዊ ሰላም ምርካባ፡ ኣብ መንጎአን ሰፊሕ ፍልልይ ተፈጢሩ’ሎ ኢሉ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ንትግራይ ኮነ ካለኦት ኣብ ውግእ ትግራይ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣካላት እውን ዘየቕሰን ኩነታት ምዃኑ ከኣ ሓቢሩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካው ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውግእ ንከምርሓ ጠንቂ ከም ዝኸውን ድማ ብሰፊሑ ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ሕብርተሰብ ዓለምን ኮነ ኤውሮጳ እቲ ወጥሪ ክንኪ ካብኡ ሓሉፉ ምሉእ ብምሉእ ንክቋረጽ ክጽዕቱ ምዃኖም ኣዘኻኪቱ።
እቲ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ውግእ ከም ኣብ ሱዳን ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ፡ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ሻቕሎት ከም ዝፈጥርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዋሕዚ ስደት ናብ ኤውሮጳ ከም ዘስዕብን ብምግንዛብ፡ ደው ንከብሎ ከም ዝጽዕር ኣገንዚቡ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ህውከት ወሲኹ፡ ከም ግብጽን ሩሲያን ንዝኣመሰላ ሃገራት ኢደን ንከእትዋ ኣፍደገ ከይከፍት ከም ዘስግእ ተመልኪቱ። ንዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ኤውሮጳ እውን ብደሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዛዕባ ዘሎ ስግኣት ድማ ኣስፊሩ።
እቲ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ ኣባይን ዓብይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያን ብዘለዋ ፍልልይ ኢራን ድማ ምስቲ ኣብ የመን ዘሎ ጉጅለ ሑቲ ብዘለዋ ዝምድና ብዝተሓሓዘ ንኤርትራ ክድግፋን ከዕጥቓን ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣቱ ብምሕባር፡ ብመንጽርዚ ኤውሮጳ ነቲ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ዲፕሎማሲያዊ መሪሕ ግደ ከም ዝህልዋ ጠቒሱ። ኢጣልያ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዘለዋ ሚዛናዊ ዝምድና ብሃገራት ጀርመንን ፈረንሳን እናተሓገዘት እቲ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ግደ ከም ዝህልዋ ኣመልኪቱ።