ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኣ ኣካይዳ
Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕዉት ኣገባብ ንምስንዳእ ዝቖመት ሽማግለ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከካይድዎ ዝጸንሑ ምይይጥ ከም ዝተፈጸመን፡ ንሰልፋዊ ቅዋም ዝምልከት ምይይጥ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝቕጽል ኣብ 21 መጋቢት 2015 ኣብ ዘካየደቶ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኣ መዚና። በታ ጉዳይ ምድላው ሰነዳት ዝምልከታ ንኡስ ሽማገል ናብዚ ኣኼባ ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይቲ ንፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝምልከት ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ምይይጥ ሃናጺ ውጽኢት ውዱእ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ንክኸውን፡ ዳግማይ ናብ ኣባላት ቅድሚ ምዝርግሑ ናብ መሪሕነት ሰልፊ ክቐርብ እዩ።
እታ ሽማግለ ከም ዝመዘነቶ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ መስርሕ ትጉህ ከም ዝነበረን ኣብቲ ቀጻሊ ንሰልፋዊ ቅዋም ብዝምልከት ዝካየድ ምምይይጥ ድማ እዚ ንጡፍ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ብናህሪ ክቕጽል ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢራ ኣላ።
ካብዚ ሓሊፉ ናይተን ዝተረፋ ንኡሳን ሽማግለታት ስረሓት እውን በቲ ዝወጸሉ መደብ መሰረት ቀጻሊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ተሳተፍቲ ጉባአ ምርጫ ከም ዝጅመር ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ጉባአ ዘድሊ ኩሉ ሎጅስቲካውን ንዋታውን ምቅርራባት ኣብ ናይ ምጽፋፍ ደረጃ ከም ዝርከብ ናይታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክሳብ ሕጂ ተሳትፎ መሰረታታት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣዝዩ ንኡድ ከም ዘሎ ገሊጻ፡ እዚ ተሳትፎዚ ኣብ ምዕዋት እቲ ጉባአ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ከም እትተኣማመን ሓቢራ ኣላ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ
22 መጋቢት 2015
Eritrean Refugee School at Wad-Sherifey in Sudan Successfully Ends 31st Academic Year
Written by Osman Ahmed, School SupervisorOn 15 March 2015, the Wad-Sherifey Refugee School on the Eritrea-Sudan border near Kassala, East Sudan, held another colourful school ceremony winding up its academic year for 2014-2015. The school-year started last June with 666 enrolled, of whom 577 students (262 of them female) continued their education till the final exams in which 89.25% were promoted to higher grades.

Attending the ceremony were, besides parents and family members of students, Sudanese education dignitaries Messrs Osman Ahmed and Isa Mohammed, as well as Wad-Sherifey residents, most of them youth. The conspicuous absence of Father/Abba Ghebrai Bedemariam, a friend of the school, was due to his travel outside the region.

The school closing ceremony, held in the morning hours, presented entertainment programs in the form of dramas, gags, folkloric songs and dances in Arabic, Tigrinia, Tigre and English.
Message of the students was read in Arabic my 5th grade student, Ms Meryem Adem Osman. In her message, Meryem extended warm gratitude to all those who are supporting their education, in particular the generous donors and the school administration that continues to link the school with those who can help it. Parents and regional Sudanese government authorities were also warmly thanks for their goodwill to help and promote the education given by the school in a suitable curriculum adapted to Eritrean needs.

The school director, Mr. Teklehaimanot Elfu, presented the message of the school administration in Tigrinia. The message was read in Arabic by Mohammed Saeed, a staff teaching member. The message provided information by the academic year that just ended and prospects ahead,
The school director also extended a heartfelt gratitude to supporters of the school, including the Dutch donors who funded the construction of the school buildings over a quarter of a century ago; the late Father Marino Haile of Milano, who with his team granted vital rehabilitation and revival assistance 10 years ago, and the Geneva-based charity, ASEE (Association Suisee-Enfance Erythree), which has been providing critical support to the continuation of the school since 2005. Likewise, the school director warmly thanks Abba Ghebrai Bedemariam for his unfailing closeness to the school; to the Eritrean Women’s Free Initiative in Germany which donated 1,000 of assistance in 2014 and the North America-based Eritrean Democratic Association (EDA) for its availability to respond to some needs of the school.
Mr. Teklehaimanot Elu also mentioned critical needs of the school from kind donors for the establishment of a school library and computer center for the students who have no access to expanded sources of education other than their limited textbooks.

The colourful ceremonies ended after listening to a poem in Tigrinai entitled Selam (Peace) and the disribution of prizes to 36 outstanding students by the school supervisor, Mr. Osman Ahmed.

The Wad-Sherifey Eritrean Refugee School was started by the Eritrean Red Cross-Crescent Society (ERCCS) in 1984, and for the last 31 years it has has been enrolling up to 800 children annually, mainly in grades 1 to 6 taught in Arabic and Tigrinia. A limited number of students attend grades 7 and 8, taught in English.
ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 ን 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዝዛም በዓል ተኻይድ።
Written by ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይከምቲ ዓመት መጸት ብሃንቀውታታ እንጽበያ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዓመታዊ ትምህርታ ብግቡእ ኣሰላሲላ ኣብታ መማህራን ፍረ ጻምኦም ዝርእዩላ፣ ተማሃሮ ውጽኢት ስርሖም ዝሓፍሱላ ዕለት 15.03.2015 ንርከብ ኣሎና። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ተማሃሮ ኣጋይሾም ንምሕጓሰ ኩሉ ምድላዋት ጌሮም ሸበድበድ ክብሉ ክትርኢ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ተማሃራይ ከሎኻ ዘሕለፍካዮ ግዜ ትዝ ይብለካሞ ‘’ ኣየ ዝሓለፈ ግዜ ዝምለስ እንተዝኸውን ‘’ ትብል። ግን ዘይከውን ስለዝኾነ ‘’ ዘለናዮ ግዜ የጽብቐልና ‘’ ብምባል ክትሰግሮ ትፍትን።

ኣብቲ ቅንዲ ኣርእስተይ ክምለስ ‘’ ሎሚ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያ ወዲ ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዕጻው በዓል ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ዕድመ ዝተገብረሎም ሓለፊ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ሱዳን፣ ወለዲ ተማሃሮን ኣሕዋት ዑስማን ኣሕመድ ፣ ዒሳ መሓመድ ወለዲ ተማሃሮን መንእሰያት ተቐማጦ መደበር ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ ተሳቲፎም። እቶም ዓመት መጸት ካብዚ በዓል እዚ ተፈልዮም ዘይውዕሉ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምኽንያት መገሻ ክሳተፉ ዘይምኽኣሎም ስክፍተኦም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

እዚ 2 ኣሳእል እዚ ናይቲ ቦታ ጸቢብዎ እከሎ ብትዕግስቲ ዝከታተል ዝነበረ ተሳታፋይ ናይቲ በዓል የሪኢ።
በዓል ልክዕ ሰዓት 8.30 ናይ ንግሆ ኢዩ ተጀሚሩ። ክሳብ ሰዓት 11.00 ቅ.ቀ. ከኣ ብድምቀት ቀጺሉ ኣአፊዱ። ኣብዚ ብኣባላት ክፍሊ ባህሊ ናይ ተማሃሮ ዝተዳለወ ብቛንቛታት ትግርኛ ፣ ዓረብ ፣ትግሬ ን እንግሊዝን ዝግለጽ መዛሙር ፣ ደርፍታት ፣ ተዋስኦን ዋዛ ምስ ቁምነገር ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዘደንቕ ኣገባብ ይቐርብ ነይሩ። ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል መግለጺ ናይ ሓጎሶም ብጣቒዕትን ዕልልታን የሰንዩዎ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ናይ ተማሃሮ መደባት ቃል ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ ፣ ብዳትርክተር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብትግርኛ ከቐርብ ከሎ ፣ ትርጉም ብዓረበኛ ከኣ ብመምህር መሓመድ ስዒድ ተነቢቡ ።ከምኡውን ንተማሃሮ ወኪላ ቃል ተማሃሮ ብቛንቛ ዓረበኛ ተማሃሪት ኣቕሪባ።

ንተማሃሮ ወኪላ ዝተዛረበት ተማሃሪት 5ይ ክፍሊ መርየም ኣደም ዑስማን እያ። እቲ ዝሃበቶ ቃል ከኣ ተማሃሮ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ከዘውትሩዎ ዘለዎም ጠባያት ብሰፊሑ ብምግላጽ፣ ምኽባር ወለዶምን መማህራን፣ ምኽባር ካባኻ ብዕድመ ዝበልጹ ሰባት፣ ካብ ንሰውነትካ ከባላሹ ዝኽእል ዝተፈላለየ መርዝታትን ወልፍን ምርሓቕ ፣ ኮታ ኣብ ከነውረኻ ዝኽእል ቦታታት ኮፍ ዘይምባል፣ ብዓቕምኽ ንስድራቤት ምሕጋዝ ዝብል ይርክርቦ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኸረክብ ፍቃድ ዝሃቡና ህዝብን መንግስትን ፍሉይ ምስጋና ይብጻሓዮም። እቶም እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ህያው ዝገበሩን፣ ትምህርቲ ንኸይቛረጽ ቀዳማይ ዕማሞ ወሲዶም ሓገዛት ንምርካብ ድቃስ ዘይወስዶም ሓለፍቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲን እቶም ድምጾም ሰሚዖም ዝተፈላለየ ሓገዛት ዘቕርቡ ዘለው ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም። ብዓቢኡ ከኣ መማህራና ንኹሉ ዝተፈላለየ ጠባያትና ጸይሮም ፍልጠት ከቕሱምና ዝከኣሎም ዝጽዕሩ ክብርን ሞጎስን ንዓኦም ይኹን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ወለድና ግደውን ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ንምንታይሲ ወለድናውን ጥቕሚ ናይ ትምህርቲ ተረዲኦም ናብ ትምህርቲ ዓለም ምልኣኮም ብቀሊል ዝረኤ ኣይኮነን። ክንደዮ ብሰንኪ ወለዶም ትምህርቲ እንዳደለዩ ኣብ ዘይጠቅም ሕማቕ ስራሓት ተዋፊሮም ዝርከቡ። ኩቡራት ወለድና ሞጎስ ንዓኹም ይኹን። ንሕና ከኣ ጻማኹም ክንህበኩ ረቢ ይሓግዘና ። ብምባል ዘረባኣ ዛዚማ።
ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ መምህር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብወገኑ ፣ መጀመርያ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ሓደ ብሓደ ናይ ክብሪ ሰላምታን ናይብ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ። ቀጺሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ቤት ትምህርትና ከቕርብ ኣፍቁድለይ። ብምባል ኣብ ትሕዝቶ ናይ መልእኽቱ ኣትዩ።

ንጸልማት ቀንጢጣ ብርሃን እተንግስ ፣ ንድንቁርና ጉሒፋ ፍልጠት እተልብስ ፣ ንዘሎኻ ዕቑር ፍልጠት እተስፍሕ ፣ ንኸለሳዊ ሓሳብ ናብ ተግባር እትቕይር ንሳይንስን ተክኖሎጀን ኣዋሃሂዳ ኣብ ረብሓ ደቂ-ሰባት እተውዕል ፣ ኣብ ኩሉ ጨንፈራት ምዕባሌ ሕ\ስብ ወሳኒ ግደ እትጻወት ትምህርቲ ከምዝዀነት ኩሉ ሰብ ዝግንዘቦ ንመስለኒ። ከምኡ ስለዝዀነት ኢዩ ኻኣ ብዘይትምህርቲ ዝመጽእ ምዕባሌ የለን ዝበሃል። ብምባል እዩ ዘረብኡ ጀሚሩዎ።
ስለዚ ጥቕሚ ትምህርቲ እዚ ካብ ኰነ ወለዲ ንደቆም ና ቤት ትምህርቲ ክልእኩ እንከለው ፍልጠት ንኽቐስሙ ድኣ’ምበር ካብ ሹቕ ምእንቲ ክርሕቑ ወይ ከኣ ኣብ ዙረት ከይውዕሉ ብማለት ክኸውን የብሉን። ንተማሃራይ ተማሃራይ ዘብሎ እኮ ግቡእ ክዳን ቤት ትምህርቲ ለቢሱ ብግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ፣ ትምህርቱ ብግቡእ ዝከታተል፣ ዝወሃቦ ትምህርቲ ብጥንቓቐ ዝቕበል፣ ዕዮ ክፍልን ዕዮ ገዛን ብግቡእ ዝሰርሕ፣ ብስነ ስርዓት ዝመላለስ ፣ ዘይድንጕ ፣ ዘየቡክር ፣ ኣብ ፈተናታት ኮነ ኣብ መርመራታት ኣደናጊሩ ዘይቀድሕ፣ ኣብ ነፍሱ ዝተኣማማን ፣ ንወለዱ ይኹን ንመማህራኑ ምእዙዝ ፣ ዘይሕሱ ሓቀኛ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ጠባይ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ገዛን ከባብን ኢዩ ዝጅምር። ኣብዚ ከኣ ወለድ ይኹኑ መማህራን ተማሃራይ ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይግባእ።
ዝኸበርኩም ወለዲ ፣- ኣብ መኣዲ ትህምርቲ ምሕላፍን ምትራፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ’ሞ ንዝተዓወተ ተማሃራይ ምንኣድ፣ ንዘይተዓወተ ድማ ተስፋ ምሃብስራሕና ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ዘበን ቤት ትምህርትና ብ666 ተማሃሮ ጀሚራ ብ577 ተማሃሮ ዓመታዊ ትምህርታ ትዛዝም ኣላ። ኣብዚ እቶም 315 ደቂ ተባዕታይ ክኾኑ ከለው እተን 262 ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ብዝሒ ተማሃሮ 515 ክኾኑ ከኣው ፣እቶም እቶም 280 ደቂ ተባዕትዮ እተን 235 ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን።ኣብ ዝነበርዎ ክፍሊ ዝደገሙ ተማሃሮ 62 ክኾኑ እንከለው ካብዚኣቶም 35 ደቂ ተባዕትዮ 27 ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ተማሃሮ ብሚእታዊት ክግለጽ ከሎ 89.25% ኢዩ። ናይ ዘይተዓወቱ ድማ 10.75% ኢዩ።

ኣብ መጨረሻ እዛ ቤት ትምህርቲ ‘ዚኣ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ብዙሓት ተማሃሮ ዘፍረየት ክትከውን እንከላ እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝተሃንጸት ብገንዘባዊ ሓገዝ ሆላንዳዊት ገቢረ-ሰናይ ማሕበር ቫስተን ኣክቴ ከም ዝኾነት ክዝንጋዕ የብሉን። ምሉእ ምሓዳስን ካልእ ተወሳኺ ሓገዛትን ዝገበሩልና ነፍስሔር ኣቦና ኣባ ማሪኖ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ። ግብረሰናይ ማሕበሮም ከኣ ዕላምኦም ብምኽታል ንሰደተኛታት ህጻናት ንምምሃር እጃምም ከበርክቱ እጽውዕ። ከምኡውን ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምህናጽን መካየዲ ነዛ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ብምቕራብን ዘይተፈለየትና ማሕበር ረዲኤት ስዊዝ ንህጻናት ኤርትራውያ ኣሰ (ASEE )ብስመይን ብስም ተጠቀምቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝዀኑ ኩሉም ልዑል ምስጋናይ እቕርበሎም።

ሕጂውን እንተኾነ ተማሃሮ ናይ ምንባብ ባህሎም ዘማዕብልሉን ፍልጠቶም ዘስፋሕፍሑሉን ቤተ ንባብን ነቲ ብኽለሰ ሓሳብ ዝተማህርዎ ብተግባር ዝርእይሉ መባእታ ቤተ-ፈተነ ከምኡውን ትምህርቲ ኮምፒተር ስለዘድሊ ንደገፍትና ብትሕትና ክንሕብርት ንፈቱ። አንፈሳዊ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ዋላኳ ብዝተደራረበ ስራሕ ምኽንያት ኣብ ሞንጎና እንተደይ ተረኽቡ ወዲ ሰብ ክመሃር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ዕላማ ተዓጢቖም ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንናን ኣብ ጎድኒ ተማሃሮን ጠጠው ብምባል ዘይሕለል ጻዕሮም ስለዘይፍለየና ልባዊ ምስጋናይ ይቕርበሎም። ከምኡውን ንተበግሶ ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ንመግዝኢ ክዳን ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ዝውዕል 1000 ሐደ ሽሕ ዮሮ ዘወፈያልና ከመስግን ይፈቱ። ነቶም ኣብ ጎንና ኮይኖም ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና ብምባል ዓቕሞም ዘፍቕዶ ዘበርክቱ ማሕበር EDA ሰሜን ኣመሪካ ብኣወንታ ከይዘከርኩ ክሓልድ ኣይደልን።
መማህራን እውን ዝናብን ጭቃን ውሕጅን ቁርን ሃሩርን በብእዋኑ ተጻዊሮም፣ ተማሃሮና ከይተማህሩ ክውዕሉ የብሎምን ብማለት ንዝገብርዎ ጻዕሪ ከመስግኖም እፈቱ።
ንማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ጨንፈር ወዲ ሸሪፈይ ንመማህራና ይኹን ንተማሃሮና ብዝህቡና ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣዝየ አመስግኖም። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዛ ቤት ትምህሪ እዚኣ ህጻናት ተማሃሮ ብዘይ ስኽፍታ ከም ገዝኦም ብሓጎስ ዝመሃሩላን ዝዕንድሩላን ፍልጠት ዝቐስሙላን ዘለው ሳላ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ስለዝዀነ ኣብ ትምህርቲ ንዘለዎም ክብሪ እናኣድነቕኩ ብስመይን ብስም ህጻናት ተማሃሮ ልዕል ምስጋናይ ክቕርበሎም እፈቱ፣፣ ሊቃውንቲ ይኹኑ ተመራመርቲ ስንቆም ትምህርቲ ብምባል ዘረብኡ ዛዚሙ።
ድሕሪ ሰላም ዘርእስታ ግጥሚ ብቛንቛ ትግርኛ ብሓደ ተማሃራይ ምስማዕ ከኣ ፣ ነቶም ካብ ነፍስወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ 36 ንፍዓት ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐትን ንዓኦም ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ህያባትን ብኢድ ኣኻያዲ ቤት ትምህርቲ ሓው ዑስማን ኣሕመድ ብምዕዳል ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮይኑ።

እዚ እቲ በዓል ምስ ተዛዘመ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፋሕ ኢሎም ክወጹ ከለው ዘርኢ ስእሊ ኢዩ።
UN Commission of Inquiry Presents its Oral Report on Human Rights Situation in Eritrea
Written by EPDP Information OfficeThe UN Commission of Inquiry on Eritrea presented its oral report on Monday, 16 March, in Geneva to a plenary session of the UN Commission for Human Rights revealing that evidences they so far collected from intensive interviews with 400 and written reports from other 140 victims are “very compelling and worrisome” and that even February 2015 escapees from the country attest that the human rights situation in the country is far from improving.

The Commission members, Mr. Mike Smith, the head of the Inquiry Commission; Ms Sheilla Keetharuth, UN Human Rights Rapporteur for Eritrea, the Ghanaian lawyer Victor Dankwa, spoke in turn to tell the unhappy reports they were receiving and hearing from victims. They said they were denied access to Eritrea. Instead, the representative of the repressive regime said “he and his regime reject the report” thus closing the door for any hope of visiting Eritrea. Even the regime’s representatives in Geneva were not willing to meet the Inquiry Commission.
The UN Commission of Inquiry on Eritrea visited several countries with big concentration of Eritreans for direct interviews. Its investigators are currently visiting Sweden and Germany, and others will visit the US soon to continue collecting evidences on the gross violations of human rights in Eritrea in the past 24 years. The final written report will be submitted to the Human Rights Council in June 2015 and that more victims are expected to be interviewed and to send their written submissions.
A good number of Eritrean human rights activists were attending the session. Ms Elsa Chyrum, who had the opportunity to make a statement at the session said that the creation of the Commission of Inquiry “appropriately reflected the gravity of the situation in Eritrea” and urged call concerned bodies and countries to continue supporting the Commission to successfully accomplish its work.
Meron’s `Sound of Torture` Documentary on Sinai again Watched and Debated in Geneva
Written by EPDP Information Office“Eritrea is one of the tragedies of our times. What is there is an unacceptable situation”. These were the opening words of Professor Vincent Chetail of the Graduate Institute of International and Development Studies, which together with Human Rights Watch, organized a debate over the film ‘Sound of Torture’ on the suffering of Eritreans in the Sinai.
The documentary film by journalist Meron Estefanos captured the full attention of the audience and ended with perceptible sounds of shock and sobs from many kind hearted watchers. (This is a small clip from the Sound of Torture: https://www.youtube.com/watch?v=bwXSsCWeSyk). The film was first watched in Geneva during the June 2014 session of the UN Commission of Human Rights.

At the end of the film show, Prof. Chetail, the moderator, introduced the panelists: Ms Meron Estefanos herself, Mr. Gerry Simpson of the Human Rights Watch and Ms Janice Maishall of UNHCR.
Ms Meron Estefanos narrated the Sinai tragedy in an eloquent presentation which gave more life to the film show by graphically describing the suffering of so many human beings because of the failure of their own government in Asmara. She revealed that up to 25,000 Eritreans were affected by the human trafficking networks in the Sinai and that 4,000 of them died in the hands of their abusers. She also told in great detail the suffering of those 35,000 Eritreans in Israel who are insulted and demonized as “infiltrators”.
Mr. Simpson of the Human Rights Watch added that the suffering of Eritreans in the hands of human traffickers was aggravated by the complicity of Sudanese and Egyptian security members. It was also revealed that no protection is being given to Eritrean refugees by Ethiopia and the Sudan both of which keep refugees away in the remote zone without adequate shelter and other needs.

The UNHCR was blamed of not doing enough for Eritrean refugees. The UNHCR representative admitted that Eritreans escaping from their country are genuine refugees and deserve protection everywhere, and that the European Union is expected to come with adequate safety measures for these victims of forced displacement.
Limited time was given for discussion in the two-hour event in which Dr. Daniel Rezene, an Eritrean human rights activist and expert on transitional justice, got the opportunity to say “what is going on in Eritrea is a human and humanitarian disaster” and expected the international community to call the situation by its appropriate name.
ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳ፡ ምስ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍር ኣውሮጳን ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሽማግለ ዞባ ኣውሮጳ ዝመርሖ ኣኼባ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍር ኣውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ15 መጋቢት 2015 ተኻይዱ። ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕላፍ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ'ቲ ኣኼባ ምርካቦም ሓጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ ኣኼባ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት ብዛዕባ ምድላው 2ይ ጕባኤ ሰልፍን ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ዝምልከት ገምጋም ምዃኑ ሓቢሩ።
ቅድሚ ናብ'ዚ ኣጀንዳ'ዚ ምእታዉ ግን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ መነባብሮ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብሪሁ። እቲ ስርዓት፡ ኣብ ቤት መኻእ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጐዳይፍ፡ ጸሎት ኣብ ዓዲቐይሕ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ገሊጹ። ኣብ ዓዲ ቀይሕ፡ ህዝቢ ንብረቱ ንምክልኻል ኣብ ዝገበሮ ተቓውሞ ክሳብ 4 ዝዀኑ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክዛረባሉ ምጽንሐን ውን ጠቒሱ።
ብወገና፡ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ምቅላዕን ናይ ህዝብና ኣበያታት ክዓብን ክሕይልን ከይተሓለልና ክንቃለስ ኣሎና ኢሉ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሰልፍና ምስ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ክሰርሕ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብዛዕባ ምድላው ጕባኤ ብዝምልከት፡ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናብ ኵሎም ኣባላት ዞባ ኣውሮጳ ወሪዱ ኣዝዩ ጠቓሚ ክትዓት ከም እተኻየደን ርእይቶታት ኣባላት ኣብ'ቲ ንድፊ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምዝተላእከን ሓቢሩ። ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተኻየደ ምይይጥ ብምምጓስ፡ ንንድፊ ቅዋም ውን ብተመሳሳሊ መንፈስ ብዕዙዝ ተኻፋልነት ናይ ኣባላት ብሃነጽቲ ርእይቶታት ምቕራብን ከምዝዛዘም ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ።
ንፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ኣመልኪቱ ድማ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርኻብ መደባት ተሓንጺጹ ናብ ኵለን ጨናፍር ክለኣኽ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣባላት ድማ፡ ኣብ ፈስቲቫል ምድላው ዘለዎም ርእይቶን ለበዋታትን ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ክልእኩ ጸዊዑ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት ኣብ'ቲ ዝቐረበ ዛዕባ ኣገደስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ብምቕራብን ንስራሕ ዘለዎም ቅሩብነትን ብምግላጽ ኣኸባ ብክብ ዝብለ ፍናን ተዛዚሙ።
BBC Documentary on Eritrea, and on ‘Why Nations Fail’
Written by By a Contributor to Harnnet.orgDid you watch the recent BBC documentary on Eritrea? Whoever you may be – hater, lover of Isayas and his regime - it is good for you to see it. Not really to watch a “success” story because there is none of that sort in our country temporarily held hostage by PFDJ gang. But it is good to watch the documentary because one can get a clue about how and why nations fail. The ‘how’ part of a nation’s path to failure is concretely provided in the documentary – of course in the clearly noticeable fear, repression and shaken confidence of the people, including the minders watching over BBC’s Yalda Hakim. You better watch or re-watch a YouTube version of the documentary.
But of more interest here is the ‘why’ part in the painful process that leads towards total failure of nations. The documentary does help us where to find the answer: just displayed in the room where Mr. Yemane Ghebreab was interviewed. Look carefully at the BBC screen and you will find the title of a wonderful book on Why Nations Fail. Although one can be amazed to learn that the book is in Mr. Yemane Ghebreab’s book shelf, one can for sure remain assured that this senior political advisor of the Eritrean leader did not yet read a single page out of it.

Yemane Ghebreab’s bookshelf and the unread book
One dare say this because a person who read could have valued that book and its contents and would not dismiss the usefulness of national elections and talk about “a fixation” on “useless” elections. Simply put, he was saying there is no value in democratic participation and inclusiveness, and this will never see the light of the day in PFDJ’s Eritrea.
However, the book, Why Nations Fail, first published in 2012 as authored by MIT economics professor, Daron Acemoglu and Harvard’s political scientist James Robinson, is all about democracy, inclusiveness, freedom and the rule of law that build the right institutions. One of the eloquent reviewers of the book summed the content of the book when he wrote: “It is freedom that makes the world rich”.
It is a review of the past 400 years in the life of nations and why some prosper while others get poorer and poorer. The why, analyzed in the 529 pages of the book, can be captured in this quotation from the book: “Nations fail when they have extractive economic institutions supported by extractive political institutions that impede and even block economic growth”. It is obvious that the thesis is that economic growth and prosperity are associated with inclusive economic and political institutions, while extractive institutions eventually lead to stagnation and poverty a la nostra Eritrea.
In other words, the good authors believe that the choice of institutions – the politics of institutions – is central to our quest for understanding the reasons for the success and failure of nations.
It is asserted that it is inclusive and not extractive institutions that shape the incentives of businesses and individuals: the incentive to be educated, to innovate, and to adopt new ways of doing things.
The book argues that it is not geography, or culture or ignorance of putting down the right policies that matter in the success or failure of nations but freedom. This freedom allows space for “creative destruction” or replacing the old with the new. It allows for the good use of critical junctures – like the (lost) opportunity for change Eritrea had in 2000-2001.
All absolutist and participatory systems that existed in the world (east, west, north, and south, including old Abyssinia) since the historic 1619 Virginia General Assembly of new settlers in America are narrated to tell the story of success or failure of nations. It is a must read book to many, including to Mr. Yemane Ghebreab, who already has it collecting dust in his bookshelf.
UN High Commissioners for Human Rights and Refugees Talk on Current World Challenges; Miss to Mention Eritrea by Name
Written by EPDP Information OfficeMessrs Zeid Ra’ad al-Hussein and Antonio Guterres, High Commissioners for Human Rights and refugees, respectively, held a joint public meeting in the evening hours of 12 March in Geneva in which they warned all repressive regimes in the world to be mindful of what they are doing now because the sword of law will always hang over their heads until “justice is done”. They referred to Syria and many other notorious refugee producing regions of the world but failed to mention Eritrea and dictator Isayas Afeworki by name.
UN High Commissioners al Hussein of Jordan and Guterres of Portugal talking to public in Geneva
Held at the UN General Assembly hall in Geneva with over 1,000 people attending, the public meeting was moderated by CNN’s Christiane Amanpour. The theme of the meeting was “leadership challenges in a world in turmoil”.
High Commissioner Guterres said the world now has 51 million refugees and displaced people, a figure that was reached only during World War II. He said “people move (out of home) only because they are desperate” and know well that there are high risks like death in the Mediterranean Sea.
Mr. al-Hussein said he was heartbroken by the magnitude of suffering of peoples but promised victims that “total impunity will not be allowed” anywhere and at any time in the future.
Both UN officials stressed that resources are declining at a time when the needs for refugees are sky-rocketing everywhere.
Some Eritreans, including Dr. Daniel Rezene, democracy activist, and Woldeyesus Ammar of EPDP, attended the meeting but could not obtain access to the mic at the event crowded mainly by students from the post-graduate institute for higher studies in Geneva which organized the debate together with the Sergio Viera de Mello Foundation. The late Sérgio Vieira de Mello was a Brazilian United Nations diplomat who was killed in Iraq in 2003. He worked for the UN for more than 34 years, earning respect and praise around the world for his efforts in the humanitarian and political programs of the UN. He was posthumously awarded a United Nations Prize in the Field of Human Rights in 2003.
ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝርከብዎ ጥምሮ (ዳይራ/cluster) ብ8 መጋቢት 2015 ንዜናዊ ዕዮ ሰልፊ ዝምልከት ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ጥምሮ ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ቤት ጽሕፈት ዜና ዘጠቓለለ ኢዩ።
ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ጥምሮ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓው ወልደሱስ ዓማርን ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤልን ኢዮም። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ናይ'ቲ ሰልፊ ዝነጥፉ ኣባላት ውን ተሳቲፎም። እቲ ዝነጥፍሉ መዳያት ድማ፡ ፈነወ ረድዮ፡ ፈነወ ተለቪዥንን ዩትዩብን፡ መጽሔትን ርእሰ-ዓቀጻትን ምድላው፡ ምምሕዳ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት፡ ምትርጓምን ሓበሬታታት ምእካብን ዝኣመሰሉ ኢዮም።
ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ'ቲ ቀዳማይ ዎርክሾፕ ናይ ዜና ዘካየዶም መጽናዕታዊ ሰነዳትን ኣመልኪቶም ብሕጽር ዝበለ ንኣኼበኛታት ንምዝኽኻር ዝሕግዝ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብ ርእስ'ዚ ድማ፡ እዚ ዎርክሾፕ'ዚ፡ ስርሓት ዜና ኣብ ግብራዊ መዳይ ከመይ ነይሩ? ንምምሕያሹ እንታይ ክግበር ኣለዎን ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም ለበዋታት ንምትሕልላፍ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ዎርክሾፕ፡ ሰልፊ ኣብ ዜናዊ ንጥፈታቱ ዝነኣድ ስርሓት ከምዘመዝገበ ድሕሪ ምቕማጥ፡ እዚ ማለት ግን ሕጽረት ኣይነበረን ንምባል ከምዘይኰነ ኣስሚርሉ። ካብ'ቲ ዝተጠቕሰ ሕጽረታት ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ከም ትካል ብዙሓት ክማልኡ ዝግብኦም ሕጽረታት ከምዘለዉ ርእዩ።
ኣብ መዳይ ምምሕዳሩ ዘሎ ሕጽረት፡ ኣብ ምድላውን ምትርጓምን ጽሑፋት ዘሎ ዋሕዲ ናይ ሰባት፡ ኣፍልጦ ናይ ሳይበርስፐይስ ዘሎ ድኽነት፡ ኣብ ሓበሬታት ምእካብ ዝርአ ሸለልትነት ናይ ኣባላት ብዝርዝር ተዘሪብሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት፡ ነዚ ሕጽረታት'ዚ ንምፍዋስ ዘኽእል ኢሎም ዝኣመንሎም ሓሳባትን ለበዋታትን ናብ መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቦም። ከም'ዚ ዝኣመሰለ ንዜናዊ ስርሓትና ዝግምግሙ ዎርክሾፓት ድማ በብእዋኑ ክግበሩ ተላብዮም።
ጨንፈር ኮለንን ( Köln) ከባቢኡን ሃገር ጀርመን ሰዲህኤ ( EPDP) 3ይ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 07.03.2015 ኣካይዱ ፡፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣኼባ ብኣቦ ወንበር ጨንፈር ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ከፊትዎ፡ቦታ ኣኼባ ኣብቲ ልሙድ ወርሓዊ ጨንፈር ዝእከበሉ (Alle weltshaus Köln 77-79 D 50823 Köln) ኮይኑ፡ ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣስዕብ ኣቢሉ ብኣጋጣሚ ንኣብ ሞንጎኦም ዝተረኽቡ ተሓዝ ገንዘብ ንኡስ ዞባ ሃገር ጀርመን ኣቶ የማነ ዘምላይን፡ኮምኡውን ኣቶ ገብረብርሃን ኣይጽገብ ኣብ 2014 ንጨንፈር ከለን ዳግመ ስርርዕ ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ ብምንባሮም ንኣኬበኛታት ኣላልዩ፡፡ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ፡፡ብተወሳኺ እቲ ኣብ ዕለት 13.02.15 ባህልዊ ምሸት ዝተኻየደ ብንጥፈት ጨንፈሮም ብዓወት ከምዝተደምደመ ገሊጹ፡፡

ብምቕጻል ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብምምባራ ፡ነተን ንማዐርነተንን ንሃገራዊ ቃልሰንን ንምርግጋጽ ኢለን ኣብ ቃልሲ ዝተሰውኣ ደቂ ኣንስትዮ ናይ መስዋእተን ዝኽርን ፡ንተቀበልቲ ሕድረን ድማ ዮሃናን ክብል መልእኽቱ ኣማሓላሊፉ፡ብፍላይ ድማ ንኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ማዕረ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋታ ተሰሪዓ ዘርኣየቶ ትብዓትን ቆራጽነትን ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ክዉን ክትገብር ኪኢላ፡ስለዚ ተቀበልቲ ሕድሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነዚ ከም ውርሻ ተቐቢለን ንኹሉ መሰላት እተኽብርን፡ብማዕረ ኣብ ፖሎቲካዊ ጸጋታትን፡ፍልጠትካ ክብ ኣብ ምባል እትሕብሕብ ኤርትራ ንኽትከውን ዳግማይ ታሪኽ ምስራሕ ይድለ ስለዘሎ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ኣብ ቦታ ምልኪ ፍትሒ ዝሰፈና ኤርትራ ንኽንሃንጽ እቲ ግዜ ሕጂ ይሓተናሎሞ ሃየ ኩልና ኢደይ ኢድካ ኢልና ብሓባር ንቃለስ ኢሉ ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ መደርኡ ደምዲሙ፡፡

መድረኽ ናብ ኣቶ የማነ ዘምላይ ናይ ገንዘብ ሓላፊ ንኡስ ዞባ ሃገር ጀርመን ብምትሕልላፍ ብወገኖም ንዝብገስ ዘሎ ምዕብልናታት ጨንፈር ከለንን ከባቢኡን ኣሞጐሱን ኣታባብዑን ፡ ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንገብሮም ዘሎዉና ሰርሓትን ገቡኣትን ብስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡን ገሊጹን፡፡ኣስዒቡ ኣቶ ገብረብርሃን ኣይጽገብ ብወገኑ ኣባታዊ ምኽርን ናይ ብሓቂ ተቐበልቲ ሕድሪ ክኾኑን ንዲክታቶራዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣዊዲቕካ ካልኦት ዲክታቶራት ንኸይፍጠሩ ከሎጌና ተወዲብካ ምጽናሕ ንዘይተደልየ ምዕብልናታት ክትዓግቶ ስለ ዝክኣል ኩልሻዕ ጥንቁቃት ኼንና ምጽናሕ ከድልየና እዩ ኢሎም፡ ፍትሒ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ ምዕቡል ሕበረተሰብ ክጥረ ዝኽል እሞ ትኩራት ኩኑ እዮም ዘበልዎም ፡፡

ኣኼባ ንዝቀረቡ ሕቶታት ብኣዕጋቢ መልስታት ተሰንዮም ፡ለበዋታት ብምቅባል ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡
More...
8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ
Written by በይ-ኤርያ ጨንፈር ክፍሊ ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)
ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ኵለን ከተማታት ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ7 መጋቢት 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር ኣቶ ኤፍረም ናይዝጊ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ነዚ ድርብ በዓል ብሓደ እዋን ብሓባር ክንዝክርን ከነብዕልን ኣብቅዓና ብምባል መድረኽ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቅደም ተኸተል ናይ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ብዝርዝር ሓቢሩ። ኣቶ ኤፍረም ኣብ መግለጺኡ፤ ንታሪኻዊ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንቓልስታት ደቅንስትዮ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣባል ቦርድ ዝዀነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ገርጊሽ ኣብ ክንዲ ቦርድ ቃል ከተቕርበልና እያ ኢሉ። ካብኣ ቀጺሉ ድማ ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብዛዕባ ኵናት ተጎርባ መግለጺ ክህበና ብዝሓተትናዮ መሰረት ተቐቢሉ ኣብ መንጎና ክርከብ ምኽኣሉ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን ኢሉ። ብምቕጻል ነዚ በዓል ዝምልከት መግለጽን ግጥምታትን’ውን ክቐርብ’ዩ። ድሕሪኡ ናይ ባህሊ መደብ ክቕጽል’ዩ ብምባል ሓበሬታኡ ዛዚሙ።
ድሕሪ"ዚ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገርጊሽ ንእህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምዝካር ንቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ዝገጥመን ሽግራትን፡ ክካየድ ዝግባኦ ቃልስን ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪባ።
ዕላዊ ዝርዝር ጸብጻብ ናይቲ በዓል ብኽፍሊ ዜና ናይቲ ማሕበር ክወጽእ ስለዝዀነ ንዕኡ ዝግደፍ ምዃኑ እናሓበርና፣ እዚ ኣብዚ ወጺኡ ዘሎ ግን ከምተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ብመንጽርና እነቕርቦ ዘለና ጽማቝ ሓበሬታ ምዃኑ ነዘኻኽር። ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ዘቕረቦ ቃል ንታሪኽ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለምን ኤርትራውያንን፣ ከምኡ’ውን ንታሪኽ ኵናት ተጎርባ ዝሕብር ኣገዳሲ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ከምዘለዎ ቀጺልና ነቕርቦ።
“ዝኸበርኩም መሪሕነትን ኣባላትን በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስይዊ ለውጢ
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ በዓል
እዚ ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንዝኽሪ ኲናት ቶጎሩባን እነካይዶ ዘሎና በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ ንኩሉ ክህልወኩም ዝኽእል ዕዮታት ኣወንዚፍኩም፡ ንድምቀት እዚ ዕለት'ዚ ምፍዋይኩም፡ እናመስገንኩ፡ ኣብዚ ዕለት'ዚ ቃል ክህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣመልኪተ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ከመሓላፍ እፈቱ።
ርግጽ፤ እዚ ዕለት'ዚ ክቡር ዕለት'ዩ ከብሎ ዝኽእል ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ብፍላይ ንዓና ከም ኤርትራውያን፡ ደቀ ኣንስትዮና፡ ስለ ጾታውን ፖሊቲካውን ወጽዓኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ንምንጋፍ፡ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪመን፡ ከም መላእ ህዝበን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዘብቅዓ ምዃነን እዩ። ከምቲ ናይ'ዚ በዓል'ዚ ጭርሖ ዝእምቶ፡ "ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የልቦን"። ብዘይከአን ናጽነት ኣይምተረጋገጸን፡ ብዘይከአን ድማ ናይ ሕጂ ቃልሲ ስለ ዲሞክራስን ፍትሕን ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ ንጾታዊ ፍትሒን ማዕርነትን፡ ንመሰል ምውዳብ፡ ንኣቓልቦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ተቓሊሰን፡ ቀሊል ዘይበሃል ዓወታት ኣረጋጊጸን እየን። ኣብ ሰራዊት ከቢድን ፈኲስን መሳርያታት ዓጢቐን ኣብ ቅድመ ግንባር ውዒለን፣ ኣብ ከተማዊ ደባይ ስርሒት ቅያታት ኣርእየን፡ ኣብ ትምህርቲ ኰነ ክንክን ጥዕና ልዑል ኣበርክቶ ወፍየን፡ ኣብ ኲናት ሰንኪለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ትንፋሰን ብምሃብ እቲ ዝለዓለ ክፍሊት መስዋእቲ ከፊለን፡ ኰታ ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና፡ መንነተን ኰነ ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ፡ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ኣብቂዐን እየን።
ምስ'ዚ ኩሉ ጅግንነት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቲ ንወዲ ሰብ ይበጽሖ'ዩ ዝበሃል ፈተነታት በጺሕወን፡ እዩ። እወ፤ ናጽነት ሃገር ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዋጋ ቃልሰን ዝፍደያሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና ተባሂሉ እዩ። ከም ሰበን፡ ደጊም ናብ ራህዋን ሰላምን ከንማዕዱ ኢና ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ እዩ። የግዳስ፡ እቲ ትጽቢት ተጣሒሱ፡ እቲ ተስፋታት ተሃሪሙ ሕልምታትን መብጽዓታት ሰውራን እውን በብመድረኹ ክጥለም ተራእዩ እዩ። ሕልምታት ምስ ተጠልመ፡ ዓዲ ናብ ሰፋሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐየረትከ? መጀመርያ ዝተጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ካብተን ቀዳሞት ህሱያት ኰይነን ዋጋ ዓስበን ዘስተማቕራሉ ሃዋህዉ ኣይተከፍተልንን። ብኣንጻሩ ምስ ሓያሎ ኣሕዋተን፡ ንስቓየ-መርመራ ተሳጢሐን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን፡ ካብ ዝፈትዋኦም ቤተሰበን ክፍለያ ተገዲደን፣ ኣብ ዓቢ ሽግር ወዲቐን እየን። ግን'ከ እቲ ሽግ ናይ ምቅዋም ኣይጠፍአን። ምቅዋም ጀሚረን እየን። ካብ ምልኪ ምህዳም ምርኡይ ናይ ተቓውሞ ምልክት ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ተቓውሞ ኣለዋኦ። ኣብ ስደት እንተኸድካ? ኣብኡ ኣለዋ፣ ኣብ ኣጻምእ? ኣብኡ ኣለዋ፣ ኣብ ባሕሪ? እንተ ክሰግራ እንተ ክጥሕላ ኣብኡ'ውን ኣለዋ፣ ምስ ህጻናተን እዃ ደእ፣ ንሓደጋታት ነጋዶ ደቂ ሰብ ተሳጢሐን እየን። ክፋል ኣካላተን ተሸይጡ'ዩ። ብዝያዳ ድማ ወዲ ተባዕታይ ከይኑ ዘይገጠሞ ተዋሳኺ ሽግራት ዓመጽ ኣብ ልዕሌን ነይሩ እዩ። ምስ'ዚ ኩሉ ሽግራት ግን ህጻናት ደቀን ካብ ሓደጋ ክሓብእን ክዕንግላን ነይርወን። ካብ ጾታዊ ዓመጽ ክድሕና ዝይዳ ቃልሲ ከካይዳ ነይርወን። እዚ ዕለት'ዚ እምበእር፡ ነቲ ኩልና እውን ጌና ሓራ ዘይወጸናሉ፡ ካብ ባህልን ማሕበራዊ ክውንነትን ዝተወርሰ ኣሉታትና ሰጊርና፡ ከብሪ ደቂ ኣንስትዮና፡ እንዝክረሉን፡ ጉዳይ መላእ ሕብረተሰብ ምኳኑ ኣሚንና ብሓድሽ ንያት ንሓድሽ ዕማም እንዋፈሩሉ ዓቢ ዕለት እዩ። 8 መጋቢት ክትዝከር ትንበር።
በቲ ካልእ ሸነኹ፡ እዚ ዕለት'ዚ ምስ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ተሳንዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ንኲናት ተጐርባ እንዝከረሉ ዕለት ምዃኑ፡ ድርብ ክብሪ ይህቦ እዩ። ክልቲኡ ናይ ቃልሲ፤ ክልቲኡ ናይ መሰል፣ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ተወፋይነት ዘርኢ ብምዃኑ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ዓቢ መነሃርያ'ዩ ከብለና ይኽእል እዩ።
ተጎሩባ፡ ኣብ ታሕታይ ባርካ ዝርከብ ቦታ እዩ። እቲ ኩናት ስሙ ካብቲ ቦታ እዩ ወሪስዎ፡። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ምጅማር ቃልሲ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ስሳታት፡ ክልተ ቦታታት ብግኑን ይዝከራ እየን። እታ ሓንቲ ጎቦታት ኣዳል እያ። ጀማሪ ሰውራ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ናይ መጀመርያ ጥይት ብምትኳስ ምጅማር ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዘበሰረላ ቦታ እያ። እታ ካልኣይቲ ድማ ተጎሩባ እያ። ምስ ስሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ዕዉት ኩናት ዝተኻየደላ ቦታ እያ። ከምዚ ሎሚ ቅድሚ 51 ዓመታት፡ ብ15 መጋቢት 1964፡ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጀላ) ኣብ'ዚ ቦታ'ዚ ዓሪዶም ኣንጻር ጦር ሰራዊት ዝገጠሙሉ ዕለት እዩ። እወ፤ ቅድሚኡ ኣንጻር ጸላኢ ዝተኻየደ ውግኣት ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ምስቶም ብፊልድ ፎርስ ዝፍለጡ ዝነበሩ ሓይልታት እዩ ዝነበረ። ሰውራ እናዓበየ ይጐዓዝ ምህላዉ ዝተገንዘበ ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ግን፡ ድምጽማጹ ንከጥፍኦ ብምህቃን፡ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ኣኽቲቱ እዩ ከጥቅዕ ፈቲኑ። ምስ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ግጥምያ ከይኑ፡ ጦር ሰራዊት ብዕጥቅን ሓይሊ ሰብን ዝበዝሕ እኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ዝኣመቶ ኣይተዓወተን። እዚ ድማ ጉዳይ ሰውራ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ምኻኑ ምልክት ሂቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳብ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረክብን ኣብ መወዳእታ ዓወት ዝጓንጻፍን፡ ሰረት ክኸውን ዝበቕዐ ታሪካዊ ተረኽቦ እዩ።
ሕጂ ኣገዳስነቱ ንዓና፡ ከም መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ብምዝካር፡ ከምህ ዘይብል ቃልሲ ንፍትሒ ምክያድ ስለ ዝህግዘና እዩ። ነዚ ዕለት'ዚ ክንዝክር እንከሎና፡ ንጅግንነት ናይቶም ኣብኡ ዝወዓሉን፡ ብድሕሪኦም በብመድረኹ እናሰዓቡ ቅያታት እናሰርሑ፡ ናብ ዓወት ዘብጽሑና ኩሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንምዝካርን፡ ንክብሪ ስዉኣትን ስንኩላትን ኤርትራ ሰላምታ ንምሃብን እዩ።
ርግጽ'ዩ፡ ገለ ካብቶም፡ ብ1964 መንእሰያት ኰይኖም ዝተቓለሱ ኣብ ናይ ቃልሲ ዕድመና እውን ዘርከብናሎም ኣለዉ። ብወገነይ ናይታ ኲናት መራሒ ዝነበረ ኣቡ ሪጀላን ኣብታ ኲናት ከም ተራ ተጋዳላይ ኰይኑ ዝተዋግአ ዕስማን ኣቡ ሃመድን እዝክር። ከምዚኦም ዝበሉ ተቓለስቲ ካሳብ ልዕሊ ስሳታት ዝበጽሑ፡ ዕጥቆም ከይፈትሑ ክፉፎም ከየውረዱ ዝተቓለሱ እዮም። ኣብ ግዜ እርጋኖም ናጽነት ተረኺቡ ክሳብ ሰማንያታት ዝበጽሑ ድማ በቲ ህልዊ ስርዓት ኤርትራ ከም ሰቦም ዝተጠልሙ እዮም። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝዀነ ይኹን ኣልዮት ክገብረሎምስ ይትረፍ፡ ከም ሓርበኛታት ከፈልጦም እውን ስለ ዘይበቕዐ፡ ከም ተራ ሰባት ኣብ ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት ዝጸንሑ እዮም። ናይ ተጐርባ ጅግና፡ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡርጀላ) ብ2010 ዓሪፉ። ኣምላኽ ኣብ ሑቕፉ ይቀበሎ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ፡ ናጽነት ኤርትራ ሂይወት ተኸፊልዎ እዩ። ክቡር ህይወት፡ ምእንቲ ኤርትራ ከም ልዑላዊት ናጻ ሃገር ጠጠው ክትብል። ክርህዋ፣ ኤርትራዊ ዜጋ ከይነዓቕ ከይበሳበስ፣ ከይደኪ ከይጠሚ፣ ከም ድላዩ ክሓስብ፣ ናብ ዝማእምኦ ክንቀሳቐስ፣ ኣብ ምርጫኡ ክሰርሕ፡ ብምርጫኡ መንግስቲ ከቕውም፣ ከይሽቁረር እዩ እቲ ህይወት ዝተኸፍለ። ከምኡ ኰይኑዶ? ኣይኰነን እዩ'ቲ ግሁድ መልሲ። ህዝቢ ኤርትራን እቶም ህይወቶም ዝኸፈሉን ዝበሃግዎ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእንጻሩ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ሃለዋት ከም ዝወድቕ ኰይኑ።
እዚ መዓልቲ'ዚ እምበኣር ንቀጻልነት ቃልሲ ዝዕድም ታሪኻዊ ዕለት ክንገብሮ ይጽወዓና። ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኰነ ብኲናት ተጐርባ ዝተጀመረ ዕማም ጌና ኣብ መወዳእታኡ ኣይበጽሐን። ኣብ መወዳእታኡ ከንብጽሖ ድማ ምቅላስ እምበር ካልእ ምርጫ የብልናን፡።
ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ከምቲ ዝበሃል "ኣሳፊሕካ ሞት ተዀርሚኻ ሞት" እዩ ከይኑ ዘሎ። የግዳስ ምልካዊ ስርዓት ንባዕሉ እውን ኣብ ልዳት ሞቱ እዩ ዝርከብ ዘሎ።
ፍርሒ ንገለ እዋናት ሰሪሑሉ ይኸውን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን ፍርሒ ይሰዓር ኣሎ።
ቅብጸት ንቃልሲ'ዩ ዝዕድም። ህዝብና ድማ ሕጂ ነቲ ስርዓት ቀቢጽዎ እዩ።
ራዕዲ ንሓያሎ እዋን ተጠቒሙሉ እዩ። ሕጂ ግን ብፍላይ መንእሰይ ካብ ራዕዲ ወጺኡ ክምክት ይርከብ ኣሎ።
ብዝሒ ሰዓብቲ ህግደፍ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን እቲ ቁጽሪ ይስሑ ኣሎ።
ምስጢር ከም መሳርሒ ንመንነቱ ክሓብኣሉ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን ምስጢር ህግደፍ ኣብ ጐደና ወጺኡ ኣሎ።
ገንዘባዊ ምንጪ ጸኒሕዎ እዩ። ሕጂ ግን እተን ክዓቑረን ዝጸንሐ ከውጽእ እንተዘይከይኑ ካብ ህዝቢ ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ተዘሪግዎ እዩ።
ብሓጺሩ እቲ ስርዓት ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ልዳት ውድቀቱ'ዩ ዘሎ።
ንሕና ከም ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ግን ቁሩብ ዝያዳ ክንደፍእ የድልየና፡ ናይ ሕድሕድ ናጽነት እናሓሎና፡ ኣብ ውሽጥና ክህሉ ዝኽእል ዘይምትእምማን ሰቢርና፡ ናይ ውሽጥን ደገን መስኖታት ከፊትና፡ ምትሕብባርን ሓባራዊ ስራሕን ከነደንፍዕ የድልየና።
ሕጂ'ውን ኤርትራ ሓራ ክትከውን እያ።
እዚ ዕለት'ዚ ንያትና ኣሓዲሱ፡ ሓድሽ ናይ መነሃርያ መድረኽ ክኸፍተልና እምነ።
የቐንየለይ!
ተስፋይ ደጊጋ
መጋቢት 7, 2015”
ባህላዊ መደብ፡
በቲ ገዲም ተቓላሳይን ወናም ናይ ዲ-ጀይ ኣርቲስትን ዝዀነ ኣቶ ያእቆብ እንድርያስ፣ ዝተመርጹ ባህላዊ ሙዚቃታት እናበራረየ ወኒ ናይ ተሳተፍቲ ኣለዓዒሉ ድሙቕ ትልሂትን ምዝንጋዕን ዝሰፈኖ ሕጉስን ዘይርሳዕን ምሸት ጌሩዎ ኣምሲዩ።
ሓቀኛ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክትከልዩ
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ
በይ-ኤርያ ጨንፈር ክፍሊ ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)
8 መጋቢት, 2015
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስዊዘርላን ብ8 መጋቢት 2015 ኣኼባ ኣካይዱ። ከም መእተዊ ናይ'ዚ ኣኼባ፡ ንዝኽሪ 8 መጋቢት፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም፡ እቲ ብሓው ድራር መንታይ ዝተጻሕፈ ኣብ ሓርነት ኦርግ ዘሎ ሓተታ ተነቢቡ።
ጓል ኣንስተይቲ ፍርቂ ናይ ሕብረተሰብ ስለዝዀነት ብዘይ ተሳትፎኣ ክረጋገጽ ዝኽእል ዓወት የለን። እቶም ቀዳሞት ነበርቲ ናይ ኣመሪካ (Native American) ‘’ጓል ኣንስተይቲ መሰረት ናይ ኵሉ ሃገራት ምህናጽ እያ። ንሳ እታ ልቢ ናይ ህገራ እያ፤ እንተ ድኣ ልባ ድኹም ኮይኑ ህዝባ ድኹም ይኸውን፣ ልባ ሓያልን ኣእምሮኣ ብሩህን ምስ ዝኸውን ድማ ህዝባ እውን ሓያልን ዱኑቅን ይኸውን። ጓል ኣንስተይቲ ማእከል ናይ ዝኾነ ነገር እያ‘’ ይብሉ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ዝግብኣ ቦታ ምሃባን ሙሉእ መሰላ ምሕላውን ንሕብረተስብካ ምሕጋዝ እዩ ዝኸውን። ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ካብቲ ወጽዓ ዝተጀመረሉ እዋን ከም ሰባ ንመሰላ ትቃለስ እንተ ነበረት፡ እቲ ብውድቡን ብጋህዲን ክትቃለስ ዝጀመረትሉ ግን ብ1857 ኣብ ሃገር ኣመሪካ ኮይኑ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቀጸለ ቃልሲ ብ1910 ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ መባእያ 8 መጋቢት ‘’መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ ክትከውን ተወሰነ። ካብ 1975 ጀሚሩ ድማ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት 8 መጋቢት ትዝከር ኣላ።
ኤርትራዊ ት ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ጐድኒ ሓዋ ደው ኢላ ተቓሊሳ፣ ኵሉ ክኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ከፊላ ድማ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ እጃማ ኣበርኪታ ኢያ። ሕጂ ውን፡ ኣብ'ቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተተይ ትብል ኣላ።
ብድሕር'ዚ መእተዊ'ዚ ኣኼባ ዝተዛረበሎም ክልተ ኣጀንዳታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
ሀ) ሃለዋትን ጉዕዞን ጨንፈር ክሳብ እዚ እዋን እዚን ንዝመጽእ ኣዋርሕ ክግበር ዘለዎ መደብ ስርሓት ምውጻእ፤
ለ) ብላዕሎዎት ኣካል ብፍላይ ብዞባ ኤውሮጳ ዝመጸ ሓቤሬታን ምሕጽንታን ምግላጽ።
ሃለዋትን ጉዕዞን ጨንፈር ስዊስ ብዝምልከት፡ እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ንጥፈታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ዋላ'ኳ ከም'ቲ እንደልዮን እንብህጎን እንተዘይኮነ፣ ንመነባብሮናን ብወለንታ ዝስራሕ ምዃኑን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ እተሳለጠ ስራሕ ኣቕሊልካ ዝርአ ከምዘይኰነ ተገምጊሙ። ካብ'ዚ ብምጋስ እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ መጻኢ ክሰላሰል ዘለዎ ዕማም ምዃኑ ኣኼባ ወሲኑ።
- ጉባኤ ጨንፈር ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ክግበር፤
- ንጉባኤ ሰልፍናን ፈስቲቫል 2015ን ንምዕዋት ንጨናፍር ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ምውዓል፤
- ሓደ ኤርትራዊ ምሸት ምድላው።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ፓርቲ ሶሻል-ዲሞክራሲ ናይ ስዊስ ዝተገብረ ርክብ ምስ ሰልፍና፡ ብኣባል ባይቶ ናይ'ቲ ሶሽያሊስት ፓርቲ ኣቢሉ ናብ ባይቶ ስዊስ ዝቐረበ ሓሳብን መወከስን ኣብ ምንዳፍ እጃም ከምዝነበሮ ዝፍለጥ ኢዩ። ብድሕሪኡ እውን፡ ብ5 መጋቢት 2015 ብዝሕ ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኣባላት ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ስዊዝ ኣብ ዝተኻፈልዎ ኣብ ርእሰ-ከተማ በርን ኣብ እተኻየደ ኣኼባ፡ ሰዲህኤ፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢን ዝመርሖ ልኡኽ፣ ከምኡ'ውን ጽላል ማሕበር ኤርትራውያን ደለዪቲ ፍትሕን ከምእተሳተፍዎ ዝፍለጥ ኢዩ።
ብዛዕባ'ቲ ካብ ዞባ ዝመጸ መምርሕን ምሕጽንታን ብዝምልከት ድማ፡ ጨንፈር ጽዑቕ ዝዀነ ኣኼባታት ከካይደሉ ተረዳድአ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነዚ ምስ ሶሻል ዲሞክራሲ ናይ ስዊዝ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድና ንምምዕብሉ ብርቱዕ ጻዕርታት ክካየድ ብምልባው ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።
Father Mussie Extremely Worried About Fate of 3,000 Eritreans in Libya Today
Written by EPDP Information OfficeEPDP Information Office
The Eritrean priest, Father Mussie Zerai, who remains in a 24-hour contact with distressed Eritrean and Ethiopian refugees in North Africa, says that at this very moment that no less than 3,000 Eritreans are in war-torn Libya and the daily dangers they face are extremely worrisome.
Talking to a stringer of this website on 8 March 2015 in Neuchatel, Switzerland, Father Mussie revealed that about 2,500 Eritreans and a few Ethiopians are in the Libyan city of Tripoli, 350 in Misrata, some 60 in Ajdabiya and 10 in Benghazi. Those in Misrata, who are new comers, are being asked to pay US$1,600 each for their trip from Sudan to Libya. The traffickers take everyone from Sudan and tell them they can pay it when they reach Libya.
Eritrean youth fleeing home are scattered, stranded everywhere. Some call to Father Mussie
These stranded persons are kept in so-called “mazra’as” or farms in the outskirts of the above mentioned urban centers and that they have no adequate shelter, food and medical care. He said almost all diplomatic personnel, humanitarian organizations including religious institutions have abandoned the region and that the refugees have nowhere to look for help except surrendering to the orders of the cruel human traffickers. Among the refugees are people like 19-year old girl, Selam, who was totally disabled following an incident in the Libyan desert in 2014 and could not find support from anywhere.
He said many more Eritreans are still arriving in Libya “to see their chances” because they continue to hear news of some lucky ones who cross the Mediterranean Sea and reach Italy “safely”. The human traffickers and their accomplices in the Sudan are spread the false information that is “now safer” to travel to Libya and on to Italy.
Father Mussie Zerai, an Eritrean Catholic priest who provides church services by constantly travelling to 13 Swiss urban centers, has been known for his close follow up what happens to Eritrean and Ethiopian asylum seekers in North Africa and Italy. Some media outlets have of late mentioned his name of being a potential candidate for Nobel Prize for his contribution in helping to save many endangered lives in the Mediterranean Sea. When asked about this issue, Father Mussie responded with a smile and a Tigrinia proverb, “ab semai zelo demean” (a cloud in the sky).
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
Written by ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ወትሩ ዓመት ዓመት ክትዝከርን ክትክበርን እንሆ መበል 105 ዓመት ኮይኑ። ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ድሑር ባህሊ ተሳዒሩ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ ዉዱብ ቓልሲ ዝኣወጃላ መዓልቲ እያ። ካብ ክቱር ወጽዓ ንምንጋፍ፡ ማዕረ ደሞዝ ንማዕረ ስራሕ፡ ማዕረ ዕድል ናይ ትምህርትን ስራሕን፡ ናይ ምድማጽ መሰል ክሕሎ፡ ዕረፍትን ደሞዝን ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ደው ክብልን ዝጠለባላ መዕልቲ እያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ወጽዓና እነቃላሓላ ወትሩ ትዝከር ታሪኻዊት ዕለት’ያ።
ካብ 1910 8 መጋቢት ከም ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክትክበር ካብ ዝተወሰነትሉ ክሳብ ሎሚ ሂወት ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላትሃገራት ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ ክበሃል ይከኣል’ኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ዘረጋገጸ ሕብረተሰብ ክሳብ ሕጂ የሎን። ብፍላይ ሎሚ ዓለምና ኣብ ቅልውላው ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ብኹሉ ኩርናዓት ዓለም ሂወት ደቂ ኣንስትዮ እናኸፍአ ክኸይድ ንርኢ ኣሎና። ዓመጽን መጭወይትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ገኒኑ ይርከብ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ክምዝመዛን ክሳቐያን ዘርኢ መለጺን ስእልታትን ብናይ ዓለም ዜና ማዕኸን መዓልታዊ ይቃላሕ ኣሎ። እብ ልዕሊ ሕጻናት ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ንምርዳእ ብቦኮ ሓራም ኣብ ናይጀሪያ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ገበን ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል። ህጻናት ኣዋልድ ካብ ቤት ትምህርቲ ጨውዮም ከይኣክል ኣመስሊምና ተርኢናየን ኢና ምባሎም ሂወት ሕጻናት ደቂ እንስትዮ’ውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ምህላዉ እዩ ዘረጋግጽ። እቲ ዝወሃብ መመኽነይታ ሃይማኖት ይኹን ፖለቲካ ወይ’ውን ባህሊ እቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ረቓሒ ትምክሕቲ እዩ። ሂወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገርናኤርትራ እንተተመልከትና’ውን ድሕሪ’ቲ ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝተፈጸመ ጀግንነትን ማዕርነትስ ይትረፍ ንምስምዑ ዘደንጹ ዓለም ዘስካክሐ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮና ይፍጸም ኣሎ።
ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ከም ኣካል ሕብረተሰብ መጠን ምእንቲ መሰልን ማዕርነትን ተቃሊሳን ገና’ዉን ትቃለስ ኣላ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና ኣይግዛእን ብምባል ብረት ዓጢቓ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋታ ደቂ-ተባዕትዮ ኣንጻር ባዕዲ ተሰሊፋ እቲ ዝልዓለ ዋጋ መስዋእቲ ከፊላን ሰንኪላን እያ።እታ ዘይተሰለፈት፡ ተጋደልቲ ዓንጊላ፡ ደም ዉጉኣት ሓጺባ፡ ኣብ ስለላዊ ስራሓት ቅያ ፈጺማ ባዕዲ ብውሽጡ ከምዝቡኽቡኽ ጌራ። ኣብ ስደት ዝነበረት ድማ ዉርደትን ሕስረትን ናይ ስደት ከይኣኸላ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ከዲማ፡ ዘወፈየቶ ዕዙዝ ንዋታዊ ኣበርክቶ ኣብ ምርግጋጽ ልዑላውነት ሃገርና ወሳኒ ተራ ኔሩዎ። ብዓቢኡ ድማ ኤርትራዊት ኣደ ምሩጻት ደቃ ኸፊላ ወሊዳ ከም ዘይወለደት ኮይና።
ድሕሪ’ዚ ልዑላውነት ሃገርና ዘጓናጸፈ ተወፋይነታ፡ ሃገርና ፍትሕን ሰላምን ዝነገሳ ክትከውን ንሳ ድማ፡ ቅሱን ህይወትን ራህዋን ምስ ህዝባ ከተስተማቕር ዓቢ ተስፋን ትጽቢት ነይሩ። እቲ ኹሉ ከም ህዝቢ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ዘርኣናዮ ጽንዓትን ሓድሽ ወሎዶ ክቐስንን ክመሃርን ክምዕብልን እዩ ኔሩ። ብኣንጻሩ ግን ሃገርና ይትረፍዶ ሓድሽ ወሎዶ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ዘየርከበት ባዕላ እታ ብረት ዓጢቓ ምእንቲ ነጻነት ሃገራ ዝተቓለሰትን ዝሰንከለትን ብሰላም ክትነብረላ ኣይከኣለትን። ንሳን ደቃን ከም ሰባ ትስደድ ኣላ። ኤርትራዊት በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨካን መላኺ ስርዓት ተጠሊማ ኣደዳ ስደት፡ ጥምየት፡ ሕማም፡ ድንቁርና፡ ዓመጽ፡ ማእሰርትን ሞትን ኰይና ትርከብ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሎሚ ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ በረኻታት ሲናይ ከም እንስሳ ተሓሪዳ ኩላሊታ ይሽየጥ ኣሎ። እታ ጭቆናን ምዝመዛን መሪሩዋ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢላ ክትስደድ ዝመረጸት፡ ኣብ ፈቐዱኡ ግዳይ ዓመጽን ዉርደትን ኮይና ንሓደጋታት ተሳጢሓ ትርከብ። ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ዝተረኽበ ህልቂት፡ መንእሰይ ኤርትራዊት ኣደ እናጠሓለት ኣብ ባሕሪ ሓሪሳ መዳሕንታ ከይተብትከ ምስ ህጻና ጠፊኣ። መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ዓለም ሓዘኖም ክገልጹ ከለዉ ስርዓት ህግዲፍ ግን ንዓኣን ምስኣ ዝሃለቑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ሃገርና ፈጺሙ ኣይተዛረበሎምን። ካብዚ ዝኸፍእ የሎን። ሎሚ ኤርትራዊት ኣደ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ሽፋን ደቃ ተመንዚዓ፡ ደቃ ተኣሲሮም ድሃዮም ዘይትሰምዓሉ ገጾም ዘይትርእየሉ ጸልማት ሂወት ትሓልፍ ኣላ። እታ መንእሰይ’ዉን ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ሽፋን ኣይክትመሃር ኣይክትወልድ ክትዝምድ ኣብ ኢድ ሰበስልጣን ናይ ዓመጽ ግዳይ ኮይና ተሪፋ። ብዘይካ’ዚ ኤርትራዊት መንእሰይ ምስ ኣሕዋታ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብ ኢድ ግፍዐኛ ስርዓት ህግዲፍ ትሳቐ ኣላ። ሎሚ ሕሰም ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ፈሊጡዎ ጥራሕ ዘይኮነ የእውየላ’ሎ።
ንሕና ኤርትራውያን ከም ዓለምና ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ዓመት ዓመት ካብ ነብዕላ ዓመታት ኮይኑ። ንሕና እቶም ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትናን ንቃለስ ዘሎና ጥራሕ ዘይኮነ ባዕሉ እቲ ጠንቂ ሕስረትን ውርደትን ጓል-ኣንስተይቲ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ኣብ ኣስመራ ከምኣመሉ ከብዕላ እዩ። ብረድዮን ቴለቭዥንን ድማ ሰራሒት ቅያ ክብል ክውዕል’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርምን ዘሕዝንን ከኣ እቲ ንሽሙ “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ” ዝበሃል ኣብ ክንዲ ንመሰል እታ ኣብ ሳዋ ሰበስልጣን መጻወቲ ጌሮማ ዘለዉ መንእሰይን፡ ደቃ ተመንዚዓ ዘላ ኣደን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትማስን ዘላ ሰራሒት ቅያ መቃልስተንን ዝጣበቕ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ክብሃል ክውዕል’ዩ።
ገለ ኣብ ስደት ካብ እንርከብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ካብ’ቲ ጨቛኒ ስርዓት ርሒቕና፡ ብዝተዓቖብናሎም ምዕቡላት ሃገራት ዝወሃበና ሰብኣዊ መሰላት እናኣስተማቐርና ንደቅና ሓቚፍና ብሰላም እናዕበናን እናኣምሃርናን ነቲ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ዝጭቁን ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ንዋታውን ሞራላውን ደገፍ እናሃብና ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንምብዓል ኣብ ዝተኽሎ ጓይላ ክንስዕስዕ ክንሓድር ኢና። እዚ ግን ጥልመት ነታ ትጭቘን ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ጥልመት ንገዛእ ርእስና እዩ።
ንመራሕቲ “ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ”ን ነተን ኣብ ዝጥዕመን እናነበራ ደቀን ሓቊፈን ጓይላታት መላኺ ከድምቓ ዝሓድራ ኣሕዋትናን፡ 8 መጋቢት ምኽንያት ብምግባር ወያ ሰራሒት ቅያ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እያ ዘላ፤ ክማጐታላ። መንእስይ ኣብ ኢድ ሰበስልጣን ብዓመጽ ትሳቐ ኣላ፤ ክጣበቓላ። ካብ ጭቆናን ምዝመዛን ስርዓት ህግዲፍ ክትሃድም ኣብ ፈቐድኡ ከም ኣቕሓ ትሽየጥን ትልወጥን ዘላ፤ ክሓታላ ሎሚ እውን ከም ዓሚ ደጊምና ነዘኻኽረን።
ንሕና ድማ፡ ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክነኽብር ከሎና፥
- ሕሉፍ ተመኩሮና እንመዝነላ፡ ኣብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት እናኣሞገስና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ መሰልና ክረጋገጽ ቃልስና ክሓንን መብጽዓ እንኣትወላ መዓልቲ ክትከውን፣
- ኣብ ክንዲ’ታ ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ትኸውን ዘላን፡ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ጅሆ ትተሓዝ ዘላን፡ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትታት ሰብኣዊ መሰላታ ትገሃስ ዘላን፡ ኣብ ዓለም ድምጻ ክስማዕ ከነእውየላ ቃል እንኣትወላ መዓልቲ ክትከውን፣
- ጭቆናን፡ ሕሰምን፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ከብቅዕ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ፡ ክሰዓርን፡ ሓራ ህዝቢ ክህንጽን ስለ ዘድሊ፡ ከምቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ሕጂ’ውን ብምሉእ ዓቕምን ሕልናን፡ ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ከም ህዝቢ ተጠርኒፍና ክንሓንን ዋናታት ጉዳይና ክንከውን ብናህሪ እንብገሰላ መዓልቲ ክትከውን ይግባእ።
ኣብቲ ብኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝኸይድ ዘሎ ንፍትሒ ዝቃለስ ህዝባዊ ምጥርናፋት፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት እናዓዘዘ ይመጽእ ምህላዉ ኣተባባዒ እዩ። ኣብ’ቲ ምእንቲ ሰብእዊ መሰልና እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ኣብ ናይ ዓለም መጋባእያታት ቀሪበን ድምጺ ዉጹዕ ህዝብና ብምዃን ወጽዓ ህዝብና ዘቃልሓ ጀጋኑ ኣለዋና። ዝያዳ ክሓንን ግን የድሊ። ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን። ፍርቂ ሕብረተሰብ ኢና። መሰልና ዘይሕሉ ሕብረተሰብ ብባህርያቱ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን። ብመሰረቱ ሕቶና፡ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል’ዩ። ስለዝኾነ ኸኣ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ብቓልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራሕ ኣይኮነን ዝዕወት። ንመሰልክን ባዕልኽን ክትቃለሳ ኣሎክን ክበሃል ይስማዕ’ዩ። ንመሰልና ዘይቃለስ ንፍትሒ እቃለስ ኣለኹ ክብል ኣይክእልን። ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራሲን እጃሙ ዘበርክተሉ’ዩ። ዲሞክራሲ ህዝቢ ዝመሓደረሉ ኣገባብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዉልቃዊ ሂወትና እንነብረሉ ባህሊ ክኸውን ይግባእ። ወጽዓና ምስ ሓደ ስርዓት መጺኡ ምስ ሓደ ስርዓት ዝጥፍእ ኣይኮነን። ጠንቂ ምግሃስ መሰልና ድሕረትን ድንቁርናን እዩ። ባህላዊ ድሕረትና ክሰርጽ ወለዶታት ዝወሰደ ኮይኑ ክድምሰስ’ዉን ወለዶታት ክወስድ’ዩ። ብመሰረቱ እቲ ድሕረትን ድንቁርናን ከኣ ኣብ ኩልና’ሎ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጸልና ጸጸኒሑ ብገለ ንፍትሒ ንቃለስ ኣሎና ዝብሉ ሰባት ነተን እንሕበነለን ብግሉጽ ምሉእ ግዜኣን ሂበን ምእንቲ መሰል ህዝብና ዝቃለሳ ዘለዋ ኣሕዋትና ከነኣእሱ ምርኣዮም’ዩ። ስለዚ ኩልና ኣንጻር ድሑር ኣተሓሳስባና ብትብዓት ክንቃለስ ንለዓል።
ብዘይ ተሳትፎና ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!
መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብዲሞክራስያዊ ቓልሲ ክዕወት’ዩ!
ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና!
ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
8 መጋቢት 2015