ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኣ ኣካይዳ

2015-03-23 18:06:00 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2761 times

2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕዉት ኣገባብ ንምስንዳእ ዝቖመት ሽማግለ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከካይድዎ ዝጸንሑ ምይይጥ ከም ዝተፈጸመን፡ ንሰልፋዊ ቅዋም ዝምልከት ምይይጥ ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝቕጽል ኣብ 21 መጋቢት 2015 ኣብ ዘካየደቶ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኣ መዚና። በታ ጉዳይ ምድላው ሰነዳት ዝምልከታ ንኡስ ሽማገል ናብዚ ኣኼባ ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይቲ ንፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝምልከት ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ምይይጥ ሃናጺ ውጽኢት ውዱእ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ንክኸውን፡ ዳግማይ ናብ ኣባላት ቅድሚ ምዝርግሑ ናብ መሪሕነት ሰልፊ ክቐርብ እዩ።

እታ ሽማግለ ከም ዝመዘነቶ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ መስርሕ ትጉህ ከም ዝነበረን ኣብቲ ቀጻሊ ንሰልፋዊ ቅዋም ብዝምልከት ዝካየድ ምምይይጥ ድማ እዚ ንጡፍ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ብናህሪ ክቕጽል ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢራ ኣላ።

ካብዚ ሓሊፉ ናይተን ዝተረፋ ንኡሳን ሽማግለታት ስረሓት እውን በቲ ዝወጸሉ መደብ መሰረት ቀጻሊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ተሳተፍቲ ጉባአ ምርጫ ከም ዝጅመር ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ጉባአ ዘድሊ ኩሉ ሎጅስቲካውን ንዋታውን ምቅርራባት ኣብ ናይ ምጽፋፍ ደረጃ ከም ዝርከብ ናይታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክሳብ ሕጂ ተሳትፎ መሰረታታት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣዝዩ ንኡድ ከም ዘሎ ገሊጻ፡ እዚ ተሳትፎዚ ኣብ ምዕዋት እቲ ጉባአ ወሳኒ ብምዃኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ከም እትተኣማመን ሓቢራ ኣላ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

22 መጋቢት 2015

Last modified on Monday, 23 March 2015 19:08