መሰረታዊ መሰል ወዲሰብ

2015-03-26 13:35:19 Written by  ብምምሕዳር ፓል ሓርነት Published in EPDP News Read 4085 times

ብዕለት 14-03-2015 ኣብ ፓል ሓርነት ሓው ኢያሱ ዓንደማርያም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ መሰረታዊ መሰል ወዲሰብ ዝብል እርእስቲ ሒዙ ቀጺሉ። ሓው ኢያሱ ነቲ ብ1949 ዝጸደቐ ውዑል ሕቡራት ሃገራት 30 ዓንቀጻት ዝሓዘለ ኣብ ክልተ ከፍፊሉ፡ ሎሚ እቶም 15 ቀዳሞት ዓንቀጻት ምንባብን መግለጽን ክህበሉ ከለኹ ኣሕጽር ኣቢለ ስለዘብርሆ ተኻፈልቲ ምሉእ ተሳትፎ ንኽህልዎም ንገዛ ክገድፎ ምዃነይ ብወገነይ ኣኻሊ ምርድዳእ ዘለዎ ዘተ ከም ነካይድ ርግጸኛ ኢየ ክብል መደርኡ ጀሚሩ።

ከም እትፈልጡ ኣነ መነባሮይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ኣብዚ እነካይዶ ዝተፋላለዩ ተበግሶታት ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ካብ ካልኦት ክፍልታት ዓለም እናመጹ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ብምልዓል ሰሚናራት ነካይድ ኢና። እዚ ሎሚ ምሳኹም ተራኺበ ሓሳብ ንሓሳብ ክንወሃሃብ ምብቃዕ ሓደ ካብቲ ምልውዋጥ ሓሳብን ተመኩሮን ምስክር ኢዩ። ነዚ ምድላው ዝገበሩ ምምሕዳር ሓርነት ፓል ከኣ አመስግን።

ካብቶም ኣባና መጺኦም ሰሚናር ዘካየዱልና ዶክተር ኣሕመድ ብርሃን ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ ዝተረፈ፡ ኩላትና ደቂ ሰባት ኣብ ውሽጥና ንእሽቶይ ዲክታቶርያዊ ባህሪ ኣላትና። ማለት ኣብ ውሽጥና ንእሽቶይ ኢሳያስ ዘይዓበየት ጠባይ ኣላትና ማለት እኳ ኢዩ’’ ምስ በለና ብሓቂ ኣተሓሳሲቡና። ሓቅነት ከም ዘለዎ ንምብራህ ኩነታትን ኣካይዳን ኩሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ንቃለስ እንብል ሓቢርና ክንሰርሕን ሰፊሕ ጽላል ንኹላትና ዝጥርንፍ ዘይምብቃዕና ካብዚ ባህርያት ስለ ዘይወጻእና ዘብርህ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ኢዩ ዝብጽሕ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዑቕበኛታት ናብራ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኢዩ። ከም ኣብ ኤውሮጳ -ኣመሪካ ኣይኮነመሰልዑቕበኛታትንኽትረክብብሓቂመወዳእታዘይብሉግዜወረንምርካብዘይከኣልክትብሎየብቅዕጸገምኢኮኖሚኢዩኢሉዝርድኦእቲመንግስቲስለዚንኽትርድኦእተደራረበጻዕርንቃልስንኢዩዝሓትት።ካብቲእንገብሮወርክሾፕሰሚናራትምስማሕበራትሰብኣዊመሰላትተጣበቕቲ፣ ናትናናይቁጠባዘይኮነስፖለቲካዊኢዩ።ህዝብናዝነብሮዘሎግፍዕታትዘለዉፖለቲከኛእሱራትንሓለፍቲሜድያንሃይማኖታትዓገብዝበሉዓበይቲዓድንማእሰርቲመቕተልቲ፣መንእስያትነቲመወዳእታዘይብሉሃገራዊኣገልግሎትከምልጡናብጐረባብቲሃገርዝስደዱስጋብኣብኩሉሃገራትኣፍሪቃኣስያኤውሮጳኣመሪካኣውስትራልያንፋሕጭንግራሕዝብሉዘለዉምስክርኢዩክንብሎምከለናእዚኩሉጸገማትካብወረደኩምስለምንታይደኣሽግርኩምመፍትሒሓቢርኩምዘይተናድዩ? እቲህዝቢእምቢንምልኪዘይብል? እዝንከምዝንዝኣመሰሉሕቶታትይቐርብና።ነዚሕቶክንምልስእንተደኣኮይኑብመሰረታዊመሰልደቂሰባትዘይተሃነጽና፣ታሪኽናከምዝምህረናናይምክልኻልንእምቢንመግዛእቲኮታሃገርንሓድነትህዝብንዝብል፣ልዑልሃገርነትሓርበኝነትዘመስከርናክነስናብመሰልደቂሰባትግንክንህነጽዕድልዘይረኸብናህዝቢምዃናክትርድኦኣጸጋሚኣይኮነን።ንኣብነትህዝቢቦርኪናፋሶዝገበርዎእምቢንውልቀመላኽነትንምስኡዝተጠላቐዩንኣፍሪቃዊኣብነትክንክተልይግባእ።እዚከምመእተዊኮይኑኣጸቢቕናዘየጽናዕናዮኣብኣፍሪቃናይዲሞክራሲነካይዶዘገምታዊይኹንእምበርከምዘሎኣብዚእዋንእዚፕረሲደንትናሚብያሂፈክፑንየፓሃምባኣብነታዊመራሕኣህጉርኣፍሪቃተባሂሉክሽለምከሎ፣ኣብኤርትራከኣእቲዝገደደዲክቶታርያዊስርዓትክበሃልኣብዓለምለኻዊመጋባእያይዝረበሉኣሎ።ብሕጽርዝበለምስቶምኣብዓለምብዲሞክራሲዝነብሩዘለዉምንጽጻርዘይኮነስእቲኣብኣፍሪቃዝካየድዘሎዲሞክራሲያዊጉዕዞከነራእእዮከሎናብሓቂዘገርምጥራይዘይኮነስፈንቂልናክነልግሶዝጽውዕእውንኢዩ።

ኣብኣርእስትናብምምላስዓለምለኻዊዋዕላሰብኣዊመስላት ብ 10 ታሕሳስ 1947 ..ብሓፈሻዊጉባኤውድብሕቡራትመንግስታትዝጸደቐቅጥዒ 217 111 ኢዩ።ሃንስ-ደየትሪኽገንሸር (Hans sietrich Genscher) 1927 ዝበሎሓሳብ፣ "መሰልደቂሰባትዘይዕገትሓይሊናይዓለምኮይኑንመጻኢእውንዘይዕገትኢዩ።ናቱኣብግብሪምትርጓምከኣመዐቀኒናይምዕባሌንግስጋሰንኢዩ።’’ ኣብዓለምናንናይኩሎምደቂሰባትተፈጥራኦዊክብረትንንማዕርነትዘይገሃሱን፡ሰብኣዊመስላትንምቕባልን፣መሰረትናጽነትሰላምንስለዝኾነ።

  • ንሰብኣዊ መሰላት ምንጻግን ምጽቃጥ መሰል ደቂ ሰባት ሳዕቤኑ፣ ምንዕዓብ ህዝቢ ስለዘስዕብ፣ ናይ ዘረባን እምነትን ናጽነት ዘለዋ፣ ካብ ፍርሕን ጸገምን ናጻ ዝኾነት ዓለም ንኽትህሉ ዝልዓለ ትምኒት ደቂ ሰባት ምዃኑ ስለ ዝተኣምነሉ፣
  • ወዲ ሰብ ምልኪን ወጽዓን ንምውጋድ ሓይሊ ንኽጥቀም ምእንቲ ከይግደድ፣ ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ክኸበሩ ኣድላዪ ስለዝኾነ፣
  • ኣብ መንጎ ሃገራት ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ንኽዓቢ ምሕጋዝ ኣድላዪ ስለዝኾነ፣
  • ህዝብታት፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኽብርን ልዕልነትን ሰብኣዊ ፍጡር፣ ንማዕረ መሰላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘለዎም እምነት ምርግጋጽን ምርግጋኦምን ኣብ ዝሰፍሐ ናጽነት ከኣ ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ መነባብሮን ንምዝርጋሕ ዝወሰኑን ስለዝኾነ፣
  • ኣባል መንግስታት ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕጋጋዝ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ዓለምለኻዊ ጠመተን ሓለዋን ምእንቲ ክረኽቡ ንምጽዓር ዝጠልቡ ስለዝኾነ፣
  • እዚ ጠለብ እዚ መሊኡ ንኽረጋገጽ ብዛዕባ እዞም መሰላት እዚኣቶም ሓባራዊ ተረድኦ ወይ ፍልጠት ምህልው ወይ ምሓዝ ብጣዕሚ ኣድላዪ ስለዝኾነ፣                    

ስለዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ንኹሎም ህዝብታትን ኩሎም ሃገራትን ክሳብ ንነፍሲወከፍ ውልቀሰብን ክሳብ፣ ንነፍሲወከፍ ክፍሊ ማሕበረ-ሰብን ነዚ ውዕል እዚ ኩሉ ግዜ ብምዝካር እዞም መሰላት እዚኣቶም ኣኽብሮት ንኽረክቡ ንኽፈልጥዎ ክማሃርዎን ንኽጽዕሩ፣

ከምኡ እውን ብሃገራውን ዓለምለኻውን ቀጻልን ምዕቡልን ስጉምትታትን ኣብ ህዝብታት ኣባላት ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዘለዉ ህዝብታት ሓፈሻዊን ግብራውን ተቐባልነትን ሓለዋን ምእንቲ ክረኽቡ ነዚ ዓለምለኻዊ ውዑል ሰብኣዊ መሰላት ኣዊጅዎ ኣሎ።

ዓንቀጽ-1

ኩሎም ደቂ ሰባት ክውለዱ ከለው ናጻን ማዕረ ክብርን መሰልን ኢዩ ዘለዎም። ምስትውዓልን ሕልናን ዝተዓደሎም ብምዃኖም መጠን ንሕድሕዶም ብሕውነታዊ መንፈስ ክትሓላለዩ ኣለዎም።

ዓንቀጽ-2

ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዘርኢ፣ ብሕብሪ፡ ብጾታ፡ብባንቅቋ፡ ብሃይማኖት፡ ብፖለቲካ ወይ ብካኦት ኣራኣእያታት ብብሔራዊ መበቆአል፣ብሃብቲ፣ ብትውልዲ ወይ ብኻልኦት ደረጃታት ኣድልዎ ከይህልዎ ኣብዚ ውዑል (ሪም፣ቅቡል ቅጥዒ) እዚ ሰፊሮም ዝርከቡ ኩሎም መሰላትን ናጽነታትን ተጠቕምቲ ኢዮም።

ብተወሳኺ ንፍጡር ወዲ ሰብ ዘርኢ፡ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ምሕደራ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ ወይ ዓለምለኻዊ ውሳኔ ዝተወስደን ሃገራት ብዘየገድስ ከም ናጽነትን ዝተጓናጸፋ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጽላል ሓንቲ ሃገር ዝርከባ፣ ዋላ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እውን ይኹና፣ ነዚ ውዑል ሕቡራት ሃገራት መሰረታዊ መሰል ወዲሰብ ክኸብርን ብምኽንያት ናይ ሃገሩ ፖለቲካ ክርገጽ ኣይግባእን።

ዓንቀጽ 3

ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ውሕስነት ህይወቱ፡ ናጽነት፡ ውሕስነት ወናኔ ህይወቱ፣ መሰሉ ዝተሓለወ ይኸውን።

ዓንቀጽ 4

ኩሉ ዜጋ ብማንም ብባርነት ወይ ግዙእ (ኣገልጋሊ) ኩልኩል ኮይኑ፣ ባርነትን፣ ናይ ባራዩ ንግድን፡ ብዝኾነ መልክዕ ኩልኩል ከኽውን ኢዩ።

ዓንቀጽ 5

ዝኾነ ዜጋ ብማን ዓይነት ብኸቢድ ስቓይ፡ ጨካንን ዘይሰባዊን ስቅያት፣ ወይ ኣተሓሕዛ (ንእሱራት) ወይ ጨካን መቕጻዕቲ፡ ዘይሰብኣዊ ሕስረት ኣይፍጸሞን።

ዓንቀጽ 6

ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብሰብኣዊ መንነቱ ንኽፍለጥ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 7

ኩሎም ደቂ ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማረ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ብዘይ ኣፈላላአይ ናይ ሕጊ ማዕረ ኣማዕቋብነት ወይ መጕዚትነት ኽገረሎም ብሕጊ መሰል ኣለዎም። ኩሎም ደቂ ሰባት ናይ ምክልኻል መሰል ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ነዚ ውዕል እዚ ዝጥሕስን ከምኡ ዝኾነ ዓይነት ጐስጓስ ነዚ ዓይነት ኣድልዎ፣ መጕዚትነት፣ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 8

ንኹሎም ዜጋታት ብሕጊ መንግስቲ፣ ወይ ብሕጊ ዝፍቀድሉ መሰረታዊ መሰላት፣ እንተ ድኣ ተጣሒሶም፡ ጥራዓኑ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ግቡእ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 9

ዝኾነ ይኹን ዜጋ ብዘይ ሕጊ ብኢደወረዶ፣ ወይ ካብ ስርዓት ወጻኢ፣ ኣይእሰርን፣ ኣይተሓዝን ወይ ኣይሕየርን።

ዓንቀጽ 10

ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅሚ ሕጊ ማዕረ ብምዃኑ ንዝቐርበሉ ክሲ ቅድሚ ንጉዳያቱ ምውሳን ኣብ ናጻን ዘይኣድላውነት ቤት ፍርዲ ብፍትሓውን ዕላውን መንገዲ ንኽርኣየሉ መስል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 11

1-     ህኾነ ዜጋ ብዘቕጽዕ ገበን ዝተኸሰሰ፣ ስጋብ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበኑ ዘይተረጋገጸ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንጹህ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንክልኻል ዘድሊ ውሕስነት ክህልዎ እውን መሰሉ አዩ።

2-   ዝኾነ ዜጋ ብዝገበሮ ወይ ዝጸንሔ ኣደቡ ስጋብ ብሃገራውን ዓለምለኻውን ሕጊ ተረጋጊጹን ወይ ተሰኒዱ ስጋብ ዘይጸንሐ ብሓላፍነት ኣይሕተትን። ከምኡ ኣውን ነቲ ገበን ዝፈጸመሉ እዋን ነቲ ገበን ተወሲኑሉ ካብ ዝነበረ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ክውሰኖ ኣይግበኣን።

ዓምቀጽ 12

ነፍሲ ወክፍ ውልቀሰብ ካብቲ ቅጥዓዊ ስርዓተ ሕጊ ውጻኢ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ህይወቱ፣ ቤተሰቡ፡ ኣብገዝኡ፡ ኣብ ናቱ ርክባት ወይ ምጽሕሓፍ ጣልቃ ምትእትታው ኣይግባእን፣ ኣብ ልዕሊ ክብሩን ያታኡን ጉድኣት ወይ ማህሰይቲ ኣይፍጸሞን፣ ኩሎም ደቂ ሰባት (መሰል ኣማዕቋብነት) ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኢድ ምትእትታው ወይ በደል ዝከላኸለሉ ኣማዕቋብነት (ውሕስነት) ሕጊ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 13

1-     ኩሉ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ዝነብረሉ ሃገር ናይ ምዝዋርን ምንባርን መሰል ኣአዎ።

2-   ኩሉ ዜጋ ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር፣ ከምኡ ኣውን ካብ ሃገሩ ናይ ምውጻእን እንደገና ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስን መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 14

1-     ኩሉ ዜጋ ካብ ንህይወቱ ሓደገኛ ዝኾኑ ግፍዕታት ኣምሊጡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ናይ ምሕታትን፣ ናይ ምርካብን መስል ኣአዎ።

2-   እዚ መሰ እዚ ብጭቡጥ ፖለቲካዊ ኣብ ዘይኮኑ፣ ገበናት ተፈሪዱ፣ብዓለምለኻዊ ዝድለ ምስ ዝኸውን ንዕላማታትን መምርሒታትን ውድባት ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ኣብ ዝጻረሩ ተግባራት ኣየገልግልን።

ዓንቀጽ 15

1-     ኩሉ ዜጋ ዜግነት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

2-   ዝኾነ ዜጋ ብኢደወረዶ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዜግነቱ (ክቕንጠጥ) ክግደፍ ከምኡ ዜግነቱ ናይ ምልዋጥ መሰሉ ክኽልከል ኣይኽእልን።

ከምዚ ዝሰማዕናዮ ኣብ ሀገርና ካብዘን ዘንበብናየን ዋላ ሓንቲ ኣብ ግብሪ ዘይተተርጐመ ምዃኑ ኩላትና እንፈልጦ እዃ እንተኾነ ባህርን ጥባይን ናይ ውልቀ ማላኺ ምዃኑ ዘረጋግጸልና እውን ኢዩ። ብሕጸር ዝበለ እምበኣር መሰላት እንታይ ኢዮም ዝብል ሕቶ ክንምልስ ስለ ዘሎና ብዓቕምና ኽንፍትን ኢና ።

ትርጉም መሰል ናይ ስነ ምግባርን ተሳታፍን ሓርነት ወይ መሰል ስልጣን ናይ ተግባረ ኢዩ። መሰል ብሕጊ መሰረት ክትውንን፡ ክትገብር፡ ነቲ ዝብጽሓካ ካብ ካልኦት ጠሪዒካ ከምልስ የኽእለካ።

ሰብኣዊ መሰላት ካብ ግሪኻዊ ፍልስፍና ኣትሒዞም ክቀላቐሉ ጀሚሮም። ኣብ ብዙሕታ ሃይማኖትታት (እምነታት) ዓለም እውን ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣብ ታሪኽ ይዝረበሉ ነይሩ ኢዩ። ኣብ መዋእል ምንቕቓሕ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ግን ከም ፍሉጥ መዛረቢ ኮይኑ። ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎም ዘይተሓንጸጸ መሰረታውያን መሰላት ከምዘለውዎ መንግስታት ክረግጽዎን ክግህስዎን ከምዘይግባእ፡ ቅድም-ኩነት ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝለበሰ ህልው ምዃንኖም ተፈልጡን ተቐባልነት ረኸበን።

ቅድሚ 18 ክፍለ ዘመን እንተኾነ ኣውን ብ1215 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰነድ ማግና ካርታ፣                                ካልኦት ናይ ብዙሓት ሃገራት ሰንዳት ብዛዕባ ሕግን መሰላትን ተእውጆም ኢዮም።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ብ4 ሓምለ ዝተእወጀ ናጽነት፡ ኣብ ፈርንሳ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት 1978 እውን ዓበይቲ ሰነዳት ሰብኣዊ መሰላት ኢዮም። ሰብኣዊ መሰላት እምበኣር ንብዙሓት መሰላት ዘጣቓልል ኣብ መሰል ምንባር ህላወ፣ ክሳብ ባህላዊ መሰል ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ዓውዲ ኢዩ። ውልቀ ጥርዓን ኣንጻር መንግስቲ ድማ ኢዩ።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ዓለም፣ብካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ዓነወትን ተቐዝፈትን ንሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝዓበየ፣ ግድል ኮይኑ ዘጨነቖም ስለምንታይ ኵናት ይውላዕ ምፍላጥን ብኸመይ መገዲ ኣቐዲምካ ዳግም ትከላኸልን ሰላም፣ ተንግስን ዝብል ኢዩ። ብዘይካ ግዝኣተ ሕግን ሰብእዊ መሰላት ምኽባርን ካልእ ተካኢ መገዲ ሰላም፣ ከምዘየለ ስለ ዝተገንዘቡ ድማ ብ1948 መስከረም፣ ታሪኣዊ ሰነድ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ስብኣዊ መሰላት ኣውጽኡ።

ኣብቲ ኣዋጅ ተፈጥሮኣዊ ክብርን ማዕርነትን ዘይዕደሉን ዘይገሃሱን ዘይሕደጉን ዘይምንዝዑን መፋጥርቱን፡ መሰላት ወዲ ሰብ መሰረት ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዓለም ምዃኖም ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ባራራዊ ኵናት ከም ዘኸትሉ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንናዕብታት ጠንቅታት ኮይኖም ብግዝእተ ሕጊ ክኽበሩ ከም ዝግባእ ምግባር ኢዩ እቲ ኣማራጺ ። እዚ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፈጺሙ እዞም መሰላት ናይ ምትርጓም ስለዘይብሉ ን23ዓመታብ ትሕቲ ነቕ ዝይብል ፖሊሳዊ ምሕድራን ኣደራዕን ኣብ ህዝብና የውርዶ ዘሎ፡ ንኩላትና ፍሉጥ እኳ እንተኾነ ስለምንታይ ህዝቢ ናዕቢ ዘየሎል ዝብል ሕቶ ንምላስ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ዝተሰጋገርና ብደምና ኣቢልና ናብ ናጽነት ምስ በጻሕና በቲ ብርሃን ሰላም ግዝኣተ ሕጊ ክህበና ዝብሎም ዝነበሩ ደቁ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓርበኝነት ናይ ናጻነት ንምምጻእን፣ ናጽነት ዝተረኽበት ምክልኻል ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነን፣ብመሰላት ወዲ ሰብ ዘይተድቀን፣ መሰልካ ክጐደልካ ከሎ ናይ ተቛውሞ ምስእተርኢ ኣብ ርእሲ እቲ ዝወርደካ ማእሰርቲ ናይ ሃገር ምኽሓድ ገይሩ ዘቕርበካ ስርዓት ካብ ምሉእ ሕብረተሰብ ከም ትፍንፈን ዝተገብረ፣ ዓቢ ስነ ኣእምርኣዊ ጐስጓሳት፣ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕከኽ ጽልዋ የሕዲሩ፡ ኣብ ምንዳይ ውልቀ ናጽነት እንርከብ ዘሎና ኮይኑ ይርኤ። ስለዚ ነዚ ንብዙሕ ዓመታት ስነኣእምሮኣዊ ምሕጻብ ሓንጐል ዝተኻየደ በዚ ገባቲ ፈላላዪ ስርዓት ብስነ-ፍጠትን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባት መሰረት ሓርነትን ግዝኣተ ሕግን ምዃኑ ክተስርጽ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ከም ዘድሊ እዚ እንርእዮ ዘለና ኣገባብ ኣቀላሳና ኣወዳድባናን ምስክር ኢዩ። ሓቢርካ ምስ እትቃለስ ንመሰላትካን ልኡላውነትካን ሓርነትካን ዘጠናኽርን ግዝኣተ ሕጊ ክህልወካ ከም ዘኻልን ሓቢርካ ሃገርካ ከተማዕብል ሰላም ክተንግስ ከም እትበጽሕ ዝተረዳእና ኣይመስለንን። ስለዚ ኩሉ ኣድህቦና ብመሰረት እቲ እንደልዮ ቅዋም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመርኰሰ ክከውን እንተኾይኑ ብዝግባእ ክንፈልጦምን ክንመራመረሎምን ይግባእ ክብል መደርኡ ደመደመ።

ኣብ ገዛ ተረኺቦም ዝነበሩ ተሳተፍቲ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ምሉእ ምስታፍ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዘቐረበ እርእስቲ ኣገዳስነቱን ኣዋናውን ብምዃኑ ጥልቕ ዝበለ ሓሳባት ብምብርካት ሃብታም ናይ ዘተ ማእዲ ምንባሩ ተመሳጊኖም ንምዝመጽእ ካልኣይ ክፋል ተቐሪብናን ሰፊሕ ምይይጥ ክነካይድ ተላብዮም ተሰናበቱ።

ብምምሕዳር ፓል ሓርነት ዝቐረበ ጻሟቍ መደረ።

Last modified on Thursday, 26 March 2015 14:38