ሱዳን ጉዳይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ክትመዝንን፡ ምስ ሱዕድያ ኣብ ሓድሽ ሽርክነት ክትኣቱን’ያ
2025-10-06 11:56:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 43 timesቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተረድኦ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኮይና እንደጋና ናይ ምምዛኑ መደብ ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሃገሩ ምስ ሳዑድያ 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ኣቕሪባ ከምዘላ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ተመልሰ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ምስ ሳዑዲ ዓረብያ ዝካየደ 100 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ 100 ፕሮጀክትትታት ኣብ ኣብ ጸጋታት ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝካየድ እዩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ኮይኖም ዘካይድዎ ገምጋም ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ካብ ዝኽእል ጉድኣትን ዕንወትን ከድሕን ዝኽእል እዩ ኢልዎ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብዛዕባ ውሽጣዊ ቅልውላው ሃገሩ ኣብ ዝጠቐሶ ድማ ኣብ ከተማ ኢል ፋሸር-ዳርፎር ተዓጽዮም ናብ ዘለዉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ነፈርቲ ናይ ምውራድ መደብ ከም ዘለዎም ጠቒሱ፡ ኣብዚ መስርሕ ዝኾነ ኣካል ኢድ ኣእትዩ ከየዕንቅፍ ኣጠንቂቑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካሚል ከምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታ ዝሃበ፡ እቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ናብታ ከተማ ሰብኣዊ ረዲአት ከይኣቱ ኣብ ዝኸልከለሉ ኩነታት እዩ። ናይ ሱዳን መንግስታዊ ኣካላት ናይ ምቁጽጻር መሰል ሕልዊ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣቀራርባ ረዲአት ናብቶም ኣብ ዕጽዋ ዘለዉ ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ከም ዝተሰማምዑ’ውን ሓቢሩ።
ቀጺሉ ድማ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ክሳብ ተኹሲ ጠጠው ምባልን ሰራዊት ሕመቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ምውጻእን ዝበጽሕ ናይ ሰላም እማመ፡ ብብዙሓት ወገናት ደሕን ተቐባልነት ይረክብ ከም ዘሎን ኣብ መጻኢ ንዝግበር ናይ ሰላም ልዝብ መንጸፍ ከም ዝኸውንን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዓብይ ሓጽቢ ኢትዪጵያ ዳህሳስ ናይ ምግባር ሓሳብ ተቕርብ ዘላ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን በዚ ጉዳይ ኣብ ዝለዐለ ምስሕሓብ በጺሐን ኣብ ዝሃለዋሉ ምዃኑ ይዝከር።