ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስዊዘርላንድ ኣኼባ ኣካይዱ

2015-03-09 19:27:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2704 times

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስዊዘርላን ብ8 መጋቢት 2015 ኣኼባ ኣካይዱ። ከም መእተዊ ናይ'ዚ ኣኼባ፡ ንዝኽሪ 8 መጋቢት፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም፡ እቲ ብሓው ድራር መንታይ ዝተጻሕፈ ኣብ ሓርነት ኦርግ ዘሎ ሓተታ ተነቢቡ።

ጓል ኣንስተይቲ ፍርቂ ናይ ሕብረተሰብ ስለዝዀነት ብዘይ ተሳትፎኣ ክረጋገጽ ዝኽእል ዓወት የለን። እቶም ቀዳሞት ነበርቲ ናይ ኣመሪካ (Native American) ‘’ጓል ኣንስተይቲ መሰረት ናይ ኵሉ ሃገራት ምህናጽ እያ። ንሳ እታ ልቢ ናይ ህገራ እያ፤ እንተ ድኣ ልባ ድኹም ኮይኑ ህዝባ ድኹም ይኸውን፣ ልባ ሓያልን ኣእምሮኣ ብሩህን ምስ ዝኸውን ድማ ህዝባ እውን ሓያልን ዱኑቅን ይኸውን። ጓል ኣንስተይቲ ማእከል ናይ ዝኾነ ነገር እያ‘’ ይብሉ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ዝግብኣ ቦታ ምሃባን ሙሉእ መሰላ ምሕላውን ንሕብረተስብካ ምሕጋዝ እዩ ዝኸውን። ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ካብቲ ወጽዓ ዝተጀመረሉ እዋን ከም ሰባ ንመሰላ ትቃለስ እንተ ነበረት፡ እቲ ብውድቡን ብጋህዲን ክትቃለስ ዝጀመረትሉ ግን ብ1857 ኣብ ሃገር ኣመሪካ ኮይኑ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝቀጸለ ቃልሲ ብ1910 ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ መባእያ 8 መጋቢት ‘’መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ ክትከውን ተወሰነ። ካብ 1975 ጀሚሩ ድማ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት 8 መጋቢት ትዝከር ኣላ።

ኤርትራዊ ት ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኣብ ጐድኒ ሓዋ ደው ኢላ ተቓሊሳ፣ ኵሉ ክኽፈል ዘለዎ መስዋእቲ ከፊላ ድማ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ እጃማ ኣበርኪታ ኢያ። ሕጂ ውን፡ ኣብ'ቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ተተይ ትብል ኣላ።

ብድሕር'ዚ መእተዊ'ዚ ኣኼባ ዝተዛረበሎም ክልተ ኣጀንዳታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

     ሀ) ሃለዋትን ጉዕዞን ጨንፈር ክሳብ እዚ እዋን እዚን ንዝመጽእ ኣዋርሕ ክግበር ዘለዎ መደብ ስርሓት ምውጻእ፤

     ለ) ብላዕሎዎት ኣካል ብፍላይ ብዞባ ኤውሮጳ ዝመጸ ሓቤሬታን ምሕጽንታን ምግላጽ።

ሃለዋትን ጉዕዞን ጨንፈር ስዊስ ብዝምልከት፡ እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ንጥፈታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ዋላ'ኳ ከም'ቲ እንደልዮን እንብህጎን እንተዘይኮነ፣ ንመነባብሮናን ብወለንታ ዝስራሕ ምዃኑን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ እተሳለጠ ስራሕ ኣቕሊልካ ዝርአ ከምዘይኰነ ተገምጊሙ። ካብ'ዚ ብምጋስ እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ መጻኢ ክሰላሰል ዘለዎ ዕማም ምዃኑ ኣኼባ ወሲኑ።

  • ጉባኤ ጨንፈር ኣብ ዝቀልጠፈ እዋን ክግበር፤
  • ንጉባኤ ሰልፍናን ፈስቲቫል 2015ን ንምዕዋት ንጨናፍር ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒታት ኣብ ግብሪ ምውዓል፤
  • ሓደ ኤርትራዊ ምሸት ምድላው።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ምስ ፓርቲ ሶሻል-ዲሞክራሲ ናይ ስዊስ ዝተገብረ ርክብ ምስ ሰልፍና፡ ብኣባል ባይቶ ናይ'ቲ ሶሽያሊስት ፓርቲ ኣቢሉ ናብ ባይቶ ስዊስ ዝቐረበ ሓሳብን መወከስን ኣብ ምንዳፍ እጃም ከምዝነበሮ ዝፍለጥ ኢዩ። ብድሕሪኡ እውን፡ ብ5 መጋቢት 2015 ብዝሕ ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኣባላት ሰልፊ ሶሻል-ዲሞክራሲ ስዊዝ ኣብ ዝተኻፈልዎ ኣብ ርእሰ-ከተማ በርን ኣብ እተኻየደ ኣኼባ፡ ሰዲህኤ፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ወጻኢን ዝመርሖ ልኡኽ፣ ከምኡ'ውን ጽላል ማሕበር ኤርትራውያን ደለዪቲ ፍትሕን ከምእተሳተፍዎ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብዛዕባ'ቲ ካብ ዞባ ዝመጸ መምርሕን ምሕጽንታን ብዝምልከት ድማ፡ ጨንፈር ጽዑቕ ዝዀነ ኣኼባታት ከካይደሉ ተረዳድአ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነዚ ምስ ሶሻል ዲሞክራሲ ናይ ስዊዝ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድና ንምምዕብሉ ብርቱዕ ጻዕርታት ክካየድ ብምልባው ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 09 March 2015 20:29