8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ

2015-03-10 20:20:03 Written by  በይ-ኤርያ ጨንፈር ክፍሊ ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) Published in EPDP News Read 3801 times

 

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ኵለን ከተማታት ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ7 መጋቢት 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።

ኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር ኣቶ ኤፍረም ናይዝጊ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ነዚ ድርብ በዓል ብሓደ እዋን ብሓባር ክንዝክርን ከነብዕልን   ኣብቅዓና ብምባል መድረኽ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቅደም ተኸተል ናይ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ብዝርዝር ሓቢሩ።  ኣቶ ኤፍረም ኣብ መግለጺኡ፤ ንታሪኻዊ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንቓልስታት ደቅንስትዮ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣባል ቦርድ ዝዀነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ገርጊሽ ኣብ ክንዲ ቦርድ ቃል ከተቕርበልና እያ ኢሉ።  ካብኣ ቀጺሉ ድማ ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብዛዕባ ኵናት ተጎርባ መግለጺ ክህበና ብዝሓተትናዮ መሰረት ተቐቢሉ ኣብ መንጎና ክርከብ ምኽኣሉ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን ኢሉ። ብምቕጻል ነዚ በዓል ዝምልከት መግለጽን ግጥምታትን’ውን ክቐርብ’ዩ። ድሕሪኡ ናይ ባህሊ መደብ ክቕጽል’ዩ ብምባል ሓበሬታኡ ዛዚሙ።

Bay Area womens day0ድሕሪ"ዚ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገርሽ  ንእህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብምዝካር ንቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ዝገጥመን ሽግራትን፡ ክካየድ ዝግባኦ ቃልስን ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪባ።

ዕላዊ ዝርዝር ጸብጻብ ናይቲ በዓል ብኽፍሊ ዜና ናይቲ ማሕበር ክወጽእ ስለዝዀነ ንዕኡ ዝግደፍ ምዃኑ እናሓበርና፣ እዚ ኣብዚ ወጺኡ ዘሎ ግን ከምተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ብመንጽርና እነቕርቦ ዘለና ጽማቝ ሓበሬታ ምዃኑ ነዘኻኽር። ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ዘቕረቦ ቃል ንታሪኽ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለምን ኤርትራውያንን፣ ከምኡ’ውን ንታሪኽ ኵናት ተጎርባ ዝሕብር ኣገዳሲ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ከምዘለዎ ቀጺልና ነቕርቦ።

Tesfai Degiga on bay area merch8celebration“ዝኸበርኩም  መሪሕነትን ኣባላትን በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስይዊ ለውጢ

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ በዓል

እዚ ንዝኽሪ ኣህጉራዊ  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንዝኽሪ ኲናት ቶጎሩባን እነካይዶ ዘሎና በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ ንኩሉ ክህልወኩም ዝኽእል ዕዮታት ኣወንዚፍኩም፡ ንድምቀት እዚ ዕለት'ዚ ምፍዋይኩም፡ እናመስገንኩ፡ ኣብዚ ዕለት'ዚ ቃል ክህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣመልኪተ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ከመሓላፍ እፈቱ።

ርግጽ፤ እዚ ዕለት'ዚ ክቡር ዕለት'ዩ ከብሎ ዝኽእል ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ብፍላይ ንዓና ከም ኤርትራውያን፡ ደቀ ኣንስትዮና፡ ስለ ጾታውን ፖሊቲካውን ወጽዓኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡  ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ  ካብ መግዛእቲ ንምንጋፍ፡ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪመን፡  ከም መላእ ህዝበን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዘብቅዓ ምዃነን እዩ። ከምቲ ናይ'ዚ በዓል'ዚ ጭርሖ ዝእምቶ፡ "ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የልቦን"። ብዘይከአን ናጽነት ኣይምተረጋገጸን፡ ብዘይከአን ድማ ናይ ሕጂ ቃልሲ ስለ ዲሞክራስን ፍትሕን ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ ንጾታዊ ፍትሒን ማዕርነትን፡ ንመሰል ምውዳብ፡ ንኣቓልቦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ተቓሊሰን፡ ቀሊል ዘይበሃል ዓወታት ኣረጋጊጸን እየን።  ኣብ ሰራዊት ከቢድን ፈኲስን መሳርያታት ዓጢቐን ኣብ ቅድመ ግንባር ውዒለን፣ ኣብ ከተማዊ ደባይ ስርሒት ቅያታት ኣርእየን፡ ኣብ ትምህርቲ ኰነ ክንክን ጥዕና ልዑል ኣበርክቶ ወፍየን፡ ኣብ ኲናት ሰንኪለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ትንፋሰን ብምሃብ እቲ ዝለዓለ ክፍሊት መስዋእቲ ከፊለን፡ ኰታ ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና፡ መንነተን ኰነ ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ፡ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ኣብቂዐን እየን።

ምስ'ዚ ኩሉ ጅግንነት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቲ ንወዲ ሰብ ይበጽሖ'ዩ ዝበሃል ፈተነታት በጺሕወን፡ እዩ። እወ፤ ናጽነት ሃገር ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዋጋ ቃልሰን ዝፍደያሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና ተባሂሉ እዩ። ከም ሰበን፡ ደጊም ናብ ራህዋን ሰላምን ከንማዕዱ ኢና ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ እዩ። የግዳስ፡ እቲ ትጽቢት ተጣሒሱ፡ እቲ ተስፋታት ተሃሪሙ ሕልምታትን መብጽዓታት ሰውራን እውን በብመድረኹ ክጥለም ተራእዩ እዩ።  ሕልምታት ምስ ተጠልመ፡ ዓዲ ናብ ሰፋሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐየረትከ? መጀመርያ ዝተጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ካብተን ቀዳሞት ህሱያት ኰይነን ዋጋ ዓስበን ዘስተማቕራሉ ሃዋህዉ ኣይተከፍተልንን። ብኣንጻሩ ምስ ሓያሎ ኣሕዋተን፡  ንስቓየ-መርመራ ተሳጢሐን፡  ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን፡ ካብ ዝፈትዋኦም ቤተሰበን ክፍለያ ተገዲደን፣ ኣብ ዓቢ ሽግር ወዲቐን እየን። ግን'ከ እቲ ሽግ ናይ ምቅዋም ኣይጠፍአን። ምቅዋም ጀሚረን እየን። ካብ ምልኪ ምህዳም ምርኡይ ናይ ተቓውሞ ምልክት ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ተቓውሞ ኣለዋኦ። ኣብ ስደት እንተኸድካ? ኣብኡ ኣለዋ፣ ኣብ ኣጻምእ? ኣብኡ ኣለዋ፣ ኣብ ባሕሪ? እንተ ክሰግራ እንተ ክጥሕላ ኣብኡ'ውን ኣለዋ፣ ምስ ህጻናተን እዃ ደእ፣  ንሓደጋታት ነጋዶ ደቂ ሰብ ተሳጢሐን እየን። ክፋል ኣካላተን ተሸይጡ'ዩ። ብዝያዳ ድማ ወዲ ተባዕታይ ከይኑ ዘይገጠሞ ተዋሳኺ ሽግራት ዓመጽ ኣብ ልዕሌን  ነይሩ እዩ። ምስ'ዚ ኩሉ ሽግራት ግን ህጻናት ደቀን ካብ ሓደጋ ክሓብእን ክዕንግላን ነይርወን። ካብ ጾታዊ ዓመጽ ክድሕና ዝይዳ ቃልሲ ከካይዳ ነይርወን።  እዚ ዕለት'ዚ እምበእር፡ ነቲ ኩልና እውን ጌና ሓራ ዘይወጸናሉ፡ ካብ ባህልን ማሕበራዊ ክውንነትን ዝተወርሰ ኣሉታትና ሰጊርና፡ ከብሪ ደቂ ኣንስትዮና፡ እንዝክረሉን፡ ጉዳይ መላእ ሕብረተሰብ ምኳኑ ኣሚንና ብሓድሽ ንያት ንሓድሽ ዕማም እንዋፈሩሉ ዓቢ ዕለት እዩ። 8 መጋቢት ክትዝከር ትንበር።

በቲ ካልእ ሸነኹ፡ እዚ ዕለት'ዚ ምስ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ፡ ተሳንዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ንኲናት ተጐርባ እንዝከረሉ ዕለት ምዃኑ፡ ድርብ ክብሪ  ይህቦ እዩ። ክልቲኡ ናይ ቃልሲ፤ ክልቲኡ ናይ መሰል፣ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ተወፋይነት ዘርኢ ብምዃኑ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ዓቢ መነሃርያ'ዩ ከብለና ይኽእል እዩ።

ተጎሩባ፡ ኣብ ታሕታይ ባርካ ዝርከብ ቦታ እዩ። እቲ ኩናት ስሙ ካብቲ ቦታ እዩ ወሪስዎ፡። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ምጅማር ቃልሲ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ስሳታት፡ ክልተ ቦታታት ብግኑን ይዝከራ እየን። እታ ሓንቲ ጎቦታት ኣዳል እያ። ጀማሪ ሰውራ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ናይ መጀመርያ ጥይት ብምትኳስ ምጅማር ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዘበሰረላ ቦታ እያ። እታ ካልኣይቲ ድማ ተጎሩባ እያ። ምስ ስሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ዕዉት ኩናት ዝተኻየደላ ቦታ እያ።  ከምዚ ሎሚ ቅድሚ 51 ዓመታት፡ ብ15 መጋቢት 1964፡  ተጋደልቲ ኤርትራውያን  ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጀላ) ኣብ'ዚ ቦታ'ዚ ዓሪዶም  ኣንጻር ጦር ሰራዊት ዝገጠሙሉ ዕለት እዩ። እወ፤ ቅድሚኡ ኣንጻር ጸላኢ ዝተኻየደ ውግኣት ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ምስቶም ብፊልድ ፎርስ ዝፍለጡ ዝነበሩ ሓይልታት እዩ ዝነበረ። ሰውራ እናዓበየ ይጐዓዝ ምህላዉ ዝተገንዘበ  ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ግን፡ ድምጽማጹ ንከጥፍኦ ብምህቃን፡ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ኣኽቲቱ እዩ ከጥቅዕ ፈቲኑ። ምስ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ግጥምያ ከይኑ፡ ጦር ሰራዊት ብዕጥቅን ሓይሊ ሰብን ዝበዝሕ እኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ዝኣመቶ ኣይተዓወተን። እዚ ድማ ጉዳይ ሰውራ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ምኻኑ ምልክት ሂቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳብ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረክብን ኣብ መወዳእታ ዓወት ዝጓንጻፍን፡ ሰረት ክኸውን ዝበቕዐ ታሪካዊ ተረኽቦ እዩ።

ሕጂ  ኣገዳስነቱ ንዓና፡ ከም መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ብምዝካር፡ ከምህ ዘይብል ቃልሲ ንፍትሒ ምክያድ ስለ ዝህግዘና እዩ።  ነዚ ዕለት'ዚ ክንዝክር እንከሎና፡ ንጅግንነት ናይቶም ኣብኡ ዝወዓሉን፡  ብድሕሪኦም በብመድረኹ እናሰዓቡ ቅያታት እናሰርሑ፡ ናብ ዓወት ዘብጽሑና ኩሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንምዝካርን፡ ንክብሪ ስዉኣትን ስንኩላትን ኤርትራ ሰላምታ ንምሃብን እዩ።

ርግጽ'ዩ፡  ገለ ካብቶም፡ ብ1964 መንእሰያት ኰይኖም ዝተቓለሱ ኣብ ናይ ቃልሲ ዕድመና እውን ዘርከብናሎም ኣለዉ። ብወገነይ  ናይታ ኲናት መራሒ ዝነበረ ኣቡ ሪጀላን ኣብታ ኲናት ከም ተራ ተጋዳላይ ኰይኑ ዝተዋግአ ዕስማን ኣቡ ሃመድን እዝክር። ከምዚኦም ዝበሉ ተቓለስቲ ካሳብ ልዕሊ ስሳታት ዝበጽሑ፡ ዕጥቆም ከይፈትሑ ክፉፎም ከየውረዱ ዝተቓለሱ እዮም። ኣብ ግዜ እርጋኖም ናጽነት ተረኺቡ ክሳብ ሰማንያታት ዝበጽሑ ድማ በቲ ህልዊ ስርዓት ኤርትራ ከም ሰቦም ዝተጠልሙ እዮም። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝዀነ ይኹን ኣልዮት ክገብረሎምስ ይትረፍ፡ ከም ሓርበኛታት ከፈልጦም እውን ስለ ዘይበቕዐ፡ ከም ተራ ሰባት ኣብ ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገማት ዝጸንሑ  እዮም። ናይ ተጐርባ ጅግና፡ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡርጀላ) ብ2010 ዓሪፉ። ኣምላኽ ኣብ ሑቕፉ ይቀበሎ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ፡ ናጽነት ኤርትራ ሂይወት ተኸፊልዎ እዩ። ክቡር ህይወት፡ ምእንቲ ኤርትራ ከም ልዑላዊት ናጻ ሃገር ጠጠው ክትብል። ክርህዋ፣ ኤርትራዊ ዜጋ ከይነዓቕ ከይበሳበስ፣  ከይደኪ ከይጠሚ፣ ከም ድላዩ ክሓስብ፣ ናብ ዝማእምኦ ክንቀሳቐስ፣ ኣብ ምርጫኡ ክሰርሕ፡ ብምርጫኡ መንግስቲ ከቕውም፣ ከይሽቁረር እዩ እቲ ህይወት ዝተኸፍለ። ከምኡ ኰይኑዶ? ኣይኰነን እዩ'ቲ ግሁድ መልሲ። ህዝቢ ኤርትራን እቶም ህይወቶም ዝኸፈሉን ዝበሃግዎ  ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእንጻሩ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ሃለዋት ከም ዝወድቕ ኰይኑ።

እዚ መዓልቲ'ዚ እምበኣር ንቀጻልነት ቃልሲ ዝዕድም ታሪኻዊ ዕለት ክንገብሮ ይጽወዓና። ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኰነ ብኲናት ተጐርባ ዝተጀመረ ዕማም ጌና ኣብ መወዳእታኡ ኣይበጽሐን።  ኣብ መወዳእታኡ ከንብጽሖ ድማ ምቅላስ እምበር ካልእ ምርጫ የብልናን፡።

ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ  ከምቲ ዝበሃል "ኣሳፊሕካ ሞት ተዀርሚኻ ሞት" እዩ ከይኑ ዘሎ። የግዳስ ምልካዊ ስርዓት ንባዕሉ  እውን ኣብ ልዳት ሞቱ እዩ ዝርከብ ዘሎ።

ፍርሒ ንገለ እዋናት ሰሪሑሉ ይኸውን። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ግን ፍርሒ ይሰዓር ኣሎ።

ቅብጸት ንቃልሲ'ዩ ዝዕድም። ህዝብና ድማ ሕጂ ነቲ ስርዓት ቀቢጽዎ እዩ።

ራዕዲ ንሓያሎ እዋን ተጠቒሙሉ እዩ። ሕጂ ግን ብፍላይ መንእሰይ ካብ ራዕዲ ወጺኡ ክምክት ይርከብ ኣሎ።

ብዝሒ ሰዓብቲ ህግደፍ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን እቲ ቁጽሪ ይስሑ ኣሎ።

ምስጢር ከም መሳርሒ ንመንነቱ ክሓብኣሉ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግን ምስጢር ህግደፍ ኣብ ጐደና ወጺኡ ኣሎ።

ገንዘባዊ ምንጪ ጸኒሕዎ እዩ። ሕጂ ግን እተን ክዓቑረን ዝጸንሐ ከውጽእ እንተዘይከይኑ ካብ ህዝቢ ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ተዘሪግዎ እዩ።

ብሓጺሩ እቲ ስርዓት  ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ልዳት ውድቀቱ'ዩ ዘሎ።

ንሕና ከም ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ግን ቁሩብ ዝያዳ ክንደፍእ የድልየና፡ ናይ ሕድሕድ ናጽነት እናሓሎና፡ ኣብ ውሽጥና ክህሉ ዝኽእል ዘይምትእምማን ሰቢርና፡ ናይ ውሽጥን ደገን መስኖታት ከፊትና፡ ምትሕብባርን ሓባራዊ ስራሕን ከነደንፍዕ የድልየና።

ሕጂ'ውን ኤርትራ ሓራ ክትከውን እያ።

እዚ ዕለት'ዚ ንያትና ኣሓዲሱ፡ ሓድሽ ናይ መነሃርያ መድረኽ ክኸፍተልና እምነ።

የቐንየለይ!

ተስፋይ ደጊጋ

መጋቢት 7, 2015”

ባህላዊ መደብ

bayarea womensdaycelebrationበቲ  ገዲም ተቓላሳይን ወናም ናይ ዲ-ጀይ ኣርቲስትን ዝዀነ ኣቶ ያእቆብ እንድርያስ፣ ዝተመርጹ ባህላዊ ሙዚቃታት እናበራረየ ወኒ ናይ ተሳተፍቲ ኣለዓዒሉ ድሙቕ ትልሂትን ምዝንጋዕን ዝሰፈኖ ሕጉስን ዘይርሳዕን ምሸት ጌሩዎ ኣምሲዩ።

ሓቀኛ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክትከልዩ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

በይ-ኤርያ ጨንፈር ክፍሊ ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)

8 መጋቢት, 2015

Last modified on Friday, 13 March 2015 05:20