ጨንፈር ኮለንን ( Köln) ከባቢኡን ሃገር ጀርመን ሰዲህኤ ( EPDP) 3ይ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ዕለት 07.03.2015 ኣካይዱ ፡፡

2015-03-12 09:24:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3150 times

ኣኼባ ብኣቦ ወንበር ጨንፈር ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ከፊትዎ፡ቦታ ኣኼባ ኣብቲ ልሙድ ወርሓዊ ጨንፈር ዝእከበሉ (Alle weltshaus Köln 77-79 D 50823 Köln) ኮይኑ፡ ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣስዕብ ኣቢሉ ብኣጋጣሚ ንኣብ ሞንጎኦም ዝተረኽቡ ተሓዝ ገንዘብ ንኡስ ዞባ ሃገር ጀርመን ኣቶ የማነ ዘምላይን፡ኮምኡውን ኣቶ ገብረብርሃን ኣይጽገብ ኣብ 2014 ንጨንፈር ከለን ዳግመ ስርርዕ ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ ብምንባሮም ንኣኬበኛታት ኣላልዩ፡፡ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ፡፡ብተወሳኺ እቲ ኣብ ዕለት 13.02.15 ባህልዊ ምሸት ዝተኻየደ ብንጥፈት ጨንፈሮም ብዓወት ከምዝተደምደመ ገሊጹ፡፡

CologneMeeting070315 1

ብምቕጻል ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብምምባራ ፡ነተን ንማዐርነተንን ንሃገራዊ ቃልሰንን ንምርግጋጽ ኢለን ኣብ ቃልሲ ዝተሰውኣ ደቂ ኣንስትዮ ናይ መስዋእተን ዝኽርን ፡ንተቀበልቲ ሕድረን ድማ ዮሃናን ክብል መልእኽቱ ኣማሓላሊፉ፡ብፍላይ ድማ ንኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ማዕረ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋታ ተሰሪዓ ዘርኣየቶ ትብዓትን ቆራጽነትን ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ክዉን ክትገብር ኪኢላ፡ስለዚ ተቀበልቲ ሕድሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነዚ ከም ውርሻ ተቐቢለን ንኹሉ መሰላት እተኽብርን፡ብማዕረ ኣብ ፖሎቲካዊ ጸጋታትን፡ፍልጠትካ ክብ ኣብ ምባል እትሕብሕብ ኤርትራ ንኽትከውን ዳግማይ ታሪኽ ምስራሕ ይድለ ስለዘሎ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ኣብ ቦታ ምልኪ ፍትሒ ዝሰፈና ኤርትራ ንኽንሃንጽ እቲ ግዜ ሕጂ ይሓተናሎሞ ሃየ ኩልና ኢደይ ኢድካ ኢልና ብሓባር ንቃለስ ኢሉ ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ መደርኡ ደምዲሙ፡፡

CologneMeeting070315 2

መድረኽ ናብ ኣቶ የማነ ዘምላይ ናይ ገንዘብ ሓላፊ ንኡስ ዞባ ሃገር ጀርመን ብምትሕልላፍ ብወገኖም ንዝብገስ ዘሎ ምዕብልናታት ጨንፈር ከለንን ከባቢኡን ኣሞጐሱን ኣታባብዑን ፡ ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንገብሮም ዘሎዉና ሰርሓትን ገቡኣትን ብስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡን ገሊጹን፡፡ኣስዒቡ ኣቶ ገብረብርሃን ኣይጽገብ ብወገኑ ኣባታዊ ምኽርን ናይ ብሓቂ ተቐበልቲ ሕድሪ ክኾኑን ንዲክታቶራዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣዊዲቕካ ካልኦት ዲክታቶራት ንኸይፍጠሩ ከሎጌና ተወዲብካ ምጽናሕ ንዘይተደልየ ምዕብልናታት ክትዓግቶ ስለ ዝክኣል ኩልሻዕ ጥንቁቃት ኼንና ምጽናሕ ከድልየና እዩ ኢሎም፡ ፍትሒ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ ምዕቡል ሕበረተሰብ ክጥረ ዝኽል እሞ ትኩራት ኩኑ እዮም ዘበልዎም ፡፡

CologneMeeting070315 3

ኣኼባ ንዝቀረቡ ሕቶታት ብኣዕጋቢ መልስታት ተሰንዮም ፡ለበዋታት ብምቅባል ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡

Last modified on Thursday, 12 March 2015 10:29