ሰዲህኤ ንዜናዊ ዕዮ ዝምልከት ዎርክሾፕ ኣካይዱ

2015-03-12 10:02:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2476 times

ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝርከብዎ ጥምሮ (ዳይራ/cluster) ብ8 መጋቢት 2015 ንዜናዊ ዕዮ ሰልፊ ዝምልከት ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ጥምሮ ንቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ቤት ጽሕፈት ዜና ዘጠቓለለ ኢዩ።

ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ጥምሮ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓው ወልደሱስ ዓማርን ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤልን ኢዮም። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ናይ'ቲ ሰልፊ ዝነጥፉ ኣባላት ውን ተሳቲፎም። እቲ ዝነጥፍሉ መዳያት ድማ፡ ፈነወ ረድዮ፡ ፈነወ ተለቪዥንን ዩትዩብን፡ መጽሔትን ርእሰ-ዓቀጻትን ምድላው፡ ምምሕዳ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት፡ ምትርጓምን ሓበሬታታት ምእካብን ዝኣመሰሉ ኢዮም።

ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ'ቲ ቀዳማይ ዎርክሾፕ ናይ ዜና ዘካየዶም መጽናዕታዊ ሰነዳትን ኣመልኪቶም ብሕጽር ዝበለ ንኣኼበኛታት ንምዝኽኻር ዝሕግዝ መግለጺ ኣቕሪቦም። ኣብ ርእስ'ዚ ድማ፡ እዚ ዎርክሾፕ'ዚ፡ ስርሓት ዜና ኣብ ግብራዊ መዳይ ከመይ ነይሩ? ንምምሕያሹ እንታይ ክግበር ኣለዎን ዝብሉ ሕቶታት ተላዒሎም ለበዋታት ንምትሕልላፍ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ዎርክሾፕ፡ ሰልፊ ኣብ ዜናዊ ንጥፈታቱ ዝነኣድ ስርሓት ከምዘመዝገበ ድሕሪ ምቕማጥ፡ እዚ ማለት ግን ሕጽረት ኣይነበረን ንምባል ከምዘይኰነ ኣስሚርሉ። ካብ'ቲ ዝተጠቕሰ ሕጽረታት ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ከም ትካል ብዙሓት ክማልኡ ዝግብኦም ሕጽረታት ከምዘለዉ ርእዩ።

ኣብ መዳይ ምምሕዳሩ ዘሎ ሕጽረት፡ ኣብ ምድላውን ምትርጓምን ጽሑፋት ዘሎ ዋሕዲ ናይ ሰባት፡ ኣፍልጦ ናይ ሳይበርስፐይስ ዘሎ ድኽነት፡ ኣብ ሓበሬታት ምእካብ ዝርአ ሸለልትነት ናይ ኣባላት ብዝርዝር ተዘሪብሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት፡ ነዚ ሕጽረታት'ዚ ንምፍዋስ ዘኽእል ኢሎም ዝኣመንሎም ሓሳባትን ለበዋታትን ናብ መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቦም። ከም'ዚ ዝኣመሰለ ንዜናዊ ስርሓትና ዝግምግሙ ዎርክሾፓት ድማ በብእዋኑ ክግበሩ ተላብዮም።

Last modified on Thursday, 12 March 2015 11:04