ኣኼባ ጥምሮ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ቤት ጽሕፈት ዜናን ሰዲህኤ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ መንጐ'ዘን ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈታት ኣብ ከክልተ ኣዋርሕ ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ዕለት 8 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኢዩ ጀሚሩ። ካልኣይ ኣኼባኡ ድማ፡ ኣብ ዕለት 8 ለካቲት 2015 ኣካይዱ። ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሓለፍቲ ናይ'ዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ሓለፍቲ ምምሕዳራትን ኣብ ናይ ወጻእን ዜናዊ መዳይን ዝዋስኡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፊሎም ነይሮም።
ነቲ ኣኼባ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከፊትዎ። ቀጺሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ብቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ብቤት ጽሕፈት ዜናን ዝተኻየዱ ንጥፈታት ገሊጹ። ቀጺሉ ሓው ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣብ ዲፕሎማያዊ መዳያት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዘዝነብሩለን ሃገራትን ከተማታትን ዘካየደዎ ምንቅስቓሳት ብምውሳኽ ነቲ ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዝቐረበ ጸብጻባት ኣሀብቲሞሞ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ስርሓቶም ዘጋጥሞም ብድሆታትን መፍትሒ ዝብልዎም ሓሳባትን ኣቕሪቦም።
ሓደ ካብ'ቶም ኣብ'ዚ ኣኼባ ዝተዘርበሎም ጕዳያት ድማ፡ ን8 መጋቢት 2015 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ንቤት ጽሕፈት ዜና ምሕያል ዝዓለመ ዎርክሾፕ ኢዩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ብሰዲህኤ ንዝካየድ ፈስቲቫልን ካልኣይ ሰልፋዊ ጕባኤን ቤት ጽሕፈት ዜና ዘድሊ ምድላዋት ገይሩ ክጸንሕ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።
ብሰዲህኤ ዝመሓደራ ቦታውያን ናይ ረድዮን ተለቪዥን ማዕከናት ኣብ ጀርመንን ሽወደንን፣ ከምኡ ውን ናይ ሳይበርስፐይስ ረድዮን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኢዩ።
ዕለት 01-02-2015 ኣኼባ ዞባ ሽማግለ ኤውሮጳ ተኻይዱ።
ዛዕባ፡-
1- መግለጺ ሓጻይት ሽማግለ ሰዲህኤ ኣገባብ ኣመራርጻን ቅጥዑን
2- ጸብጻብ ጉዕዞ ሓይሊ ዕማም ( ምቅራብ ፈስቲቫል ቦታን ግዜን- ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳን ብምውህሃድ ምስ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰልፊ / ምምሕያሽ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ)።
ከምቲ ልሙድ ብኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ኤውሮጳ ሓው ብረሃነ ገበረክርስቶስ ከምዚ ክብል ኣኼባ ከፊቱ። ብመጀምርያ እዚ ድሕሪ 05-12-2014 ዝገበርናዮ ምዱብ ኣኼባ ንመጀምርያ እዋን ኣብ 2015 እንራኸብ ስለ ዘለና ርሑስ ዓምትን ተስፋን ብርሃን ዝጀመረ ዓመት ትሓልፍ ክትህልው ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ። ቀጺለ ንሓው ረዘነ ተስፋዮን ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ምስ ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ምክትል ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ብዛዕባ ኣጋባብን- ኣመራርጻን ቅጥዕን ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ዝብል ከብርሁን፣ ሓቢርና እንሰርሓሉ መዳይ ክንዛተ፣ ብሽመይን ብሽም ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ የመስግን።
እዚ ኣርእስቲ እዚ እቲ ዘድልዮ ምርድዳእ ምስ ተገብረሉ ስዒቡ ብመሰረት ውሳኔታት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝወጸ ምቓም`ኣሰናዳኢ ሽማግለ: ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ተመርኵስና ዘውጻእናየን ሓይሊ ዕማም ክንሰምዕን ገምጋም ጌርና ንምምዕባሉ ክንዝቲ ኢና። ስለዚ ኣቐዲመ ንሓው ረዘነ ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ መጉልሕ ድምጺ የመሓላልፍ።
ሓው ረዘነ መግለጺኡ ብምጅማር ኣቐዲመ ንመጀመርያ እዋን ምስ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ተረኺበ ብጉዳይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ኣጋባብን ኣመራርጻን ቅጥዕን ፣ደብዳበ ተላኢኩምሲ ኣንቢብክሞ ንዘተ ተቐሪብኩም ከም ዘለኹም ዝለኒ እምነት፣ ምስ ኩሉአን ወጺኤን ዘለዋ ሽማግለታት ኣብ ትሒቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፣ምሉእ ምትሕብባርን ንምግባር ፣ብወገንኩም ሓይሊ ዕማም ኣውጺእኩም ተበጊስኩምሲ ድሮ ናብ ገምጋም ኣኼባ ክተካይዱ ክሰምዕ ከለኹ እቲ ብንጥፈትን ተብዓትን ተታሒዝክሞ ዘሎኹም ንምዕዋትን ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ክህልዎ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ፣ንዓይን ንመሪሕነትን ንኣባላትና ዓቢ ተስፋን ዝሰርሕ ሰልፊ ከም ዘለና እውን ዘርኢ ምስክር ምዃኑ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እቲ ቅጥዒ ኣገባብን ከመይ ጌርና ግብራዊ ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ኣማሓይሽና ንቐርበሉ ምኽርን ምዕዶን ክንወሃሃብን ከምቲ ግቡኡ እውን ዞባን መሪሕነትን ተራኺብካ ልዝብ ኣብ ኣሰራርሓን ምምሕያሹ መሰረት ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንንምምላኡ ኢዩ። ከም እትርእይዎ ሰልፍና ሕብረ ብሔራዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንኹሉ ውክልናን ማለት ( ብሄር-ጾታ-ሃይማኖት-ኣውራጃ -ዕድመ ወዘተ…) ዘማልኤ መሪሕነት ክህልወና እቲ እንደልዮን እንጽበዮን እዃ እንተኾነ፡ ኣዚ ግን ብዋጋ ደጊመ ብዋጋ ብቕዓት ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ ጠመተና ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ዘይረኣናዮ ፖለቲካዊ ዘተታትን ተመክሮን ስርሓትን ብዙሓት ዜጋታትና- ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ርኢናዮም ኣስተብሂልናን ስለዘለና ብብቕዓት ዝተኸለሰ ተወፋይነት ዝተሓወሶ ሕጹያት ክነቕርብ ኢዩ እቲ ድሌት ባህግን፣ እሞ ምሉእ ምትሕግጋዝ ብፍላይ ከኣ መሰረታት ኣብዚ ግዳይ እዚ እታ ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ናይ ዕጫኻ ምውዳቕ ወይ ምምራጽ ክጥቀሙሉ ክንደጋገፍ ተሳትፍኦም ከበርክቱ ከም ዘሎዎም ክንገብር የማሕጽን ብምባል መግለጺኡ ደምደመ። ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ም/ኣ/መ ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ነቲ ሰፊሕ መግለጺ ናይ ሓው ረዘነ ብምምርኳስ ብፍላይ ኣብ ተኻፋልነት ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ነዚ ተኸፊቱልና ዘሎ ባብ ብምሉእ ምሉኡ ብምጥቃም ነቲ ተካእቲ ናይ ዘጽንሑልና ዓበይቲ የሕዋትና ክንበቖ ክንጥቀመሉን ወረስቲ ወይ ከኣ ተቐበልቲ ሕድሪ ክንከውን ይግባእ ክትብል መግለጺኣ ደምደመት። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ዞባ ንእወዓዕልኡን ክመሓየሽ ዝብልዎ ሓሳብ ኣቕረቡ። ነቲ 15 ዝዓንቀጻቱ መርሆ አምራጺት ሽማግለ በብሓደ ብምምያጥን ምርዳእን ተካይዱ ብምምስግጋን ናይዚ ኣርእስቲ ወዲኡ።
ኣብ ካልኣይ ኣርእስቲ :ሰለስተሓይሊ ዕማም ብበሓደ ምግላጽ ስርሔን በጺሔናኦ ዘለዋ ምዕራፍ ድሕሪ ምግላጽ ደሓን ዝኾነ ምቅርራብ ተገይሩ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግንዛብ ብጻዕቅን ብጽንዓትን ኣበርትዒና ክንሰርሕ ከምዘላና ከም ኣድላይነቱ ስጋብ እቲ ልሙድ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ኣኼባ ከይተጸበና ህጹጽ ኣኼባታት እናኣካየድና ስርሓትና ክነሳልጥ ከምዘለና ሓባራዊ ምርድዳእ ኣካይድና።
ካብ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ
ፍትዊ ክፍለ
ዞባ ኣውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 01-02-2015 ኣኼባኣክይዱ። ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ተረኺቦም መግልጺ ሂቦም።
ከምቲ ልሙድ፡ ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለኤውሮጳ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምቕራብ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ቀጺሉ፡ እዚ ድሕሪ 05-12-2014 ዝገበርናዮ ምዱብ ኣኼባ ንመጀመርያ እዋን ኣብ 2015 ዓ.ም እንራኸብ ስለ ዘለና ርሑስን ዓምት ተስፋን ብርሃንን ክዀነልና ልባዊ ትምኒተይ እገልጽ። ናይ ሎሚ ንዛረበሎም ዛዕባታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም ኢሉ።
1. መግለጺ ሓጻይት ሽማግለ ሰዲህኤ ኣገባብ ኣመራርጻን ቅጥዑን
2. ጸብጻብ ጉዕዞ ሓይሊ ዕማም ( ምቅራብ ፈስቲቫል ቦታን ግዜን- ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳን ብምውህሃድ ምስ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰልፊ / ምምሕያሽ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ)።
ብድሕር'ዚ፡ ንሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ምስ ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ምክትል ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ብዛዕባ ኣጋባብን ኣመራርጻን ቅጥዕን ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ከተብርሁን ምስ ኣባላት ክትዛተዩን ምምጻኩም ብሽመይን ብሽም ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳን አመስግን።
እዚ ኣርእስቲ እዚ እቲ ዘድልዮ ምርድዳእ ምስ ተገብረሉ ስዒቡ ብመሰረት ውሳኔታት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝቖመ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝሃቦ መምርሒታት ተመርኵስና ዘውጻእናየን ሓይሊ ዕማም ክንሰምዕን ገምጋም ጌርና ንምምዕባሉ ክንዝትን ኢና። ስለዚ ኣቐዲመ ንሓው ረዘነ ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ መጉልሕ ድምጺ ከመሓላልፍ እፈቱ ኢሉ።
ሓው ረዘነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ንመጀመርያ እዋን ምስ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ተረኺበ ብጉዳይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ ምብቅዐይ ሓጐስ ይስምዓኒ። ቀጺለ፡ ንኣግባብን ቅጥዕን ኣመራርጻ ዝምልከት ዝተላእከልኩም መምርሒ ኣንቢብኩም ንምይይጥ ተቐሪብኩም ከም ዘለኹም እምነተይ ኢዩ። ብወገንኩም ሓይሊ ዕማም ኣውጺእኩም፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኮንኩም፡ ምስ ኵለን ቆይመን ዘለዋ ሽማግለታት ተሓባቢርኩም ንምዕዋት ጕባኤ ትሰርሑ ምህላውኩም ክሰምዕ ከለኹ፡ ንዓይ ይኹን ንኣባላት መሪሕነትን ኣባላት ሰልፍን ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።
ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እቲ ቅጥዒን ኣገባብን ሕጸ ከመይ ጌርና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ምኽርን ምዕዶን ክንወሃሃብን፡ ምስ መሪሕነት ዞባ ብምርኻብ ንመስርሕ ሕጸ ዝምልከቱ ርእይቶታትን ምምሕያሻትን እሂን ምሂን ክንብሃሃል፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ኢዩ። ከም እትርእይዎ ሰልፍና ሕብረ ብሔራዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንኹሉ ውክልናን ማለት ( ብሄር-ጾታ-ሃይማኖት-ኣውራጃ -ዕድመ ወዘተ…) ዘማልኤ መሪሕነት ክህልወና እቲ እንደልዮን እንጽበዮን እኳ እንተኾነ፤ እዚ ግን ብዋጋ ደጊመ ብዋጋ ብቕዓት ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ ጠመተና ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ዘካየድናዮም ቃልስታት ተራ ኣባላትናን መሪሕነትናን ገምጊምና ብብቕዓት ዝተኸለሰ ተወፋይነት ዝተሓወሶ ሕጹያት ክነቕርብ ኢዩ እቲ ድሌትናን ባህግናን፣ እሞ ምሉእ ምትሕግጋዝ ብፍላይ ከኣ መሰረታት ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ናይ ዕጫኻ ምውዳቕ ወይ ናይ ምምራጽ ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ክጥቀሙሉን ተሳትፍኦም ከበርክቱን ከነተባብዖም ከምዝግብኣና ከምሕጸነኩም እፈቱ ብምባል መግለጺኡ ደምዲሙ።
ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ም/ኣ/መ ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ኣብ'ቲ ሰፊሕ መግለጺ ናይ ሓው ረዘነ ብምምርኳስ ብፍላይ ንተኻፋልነት ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ትዅረት ዝገበረ መግለጺ ኣቕሪባ። ነዚ ብዓበይቲ ተቓልስቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተኸፊቱልና ዘሎ ባብ ምሉእ ብምሉኡ ተጠቒምና ወረስቲ ወይ ከኣ ተቐበልቲ ሕድሪ ክንከውን ይግባእ ኢላ።
ብድሕር'ዚ፡ እቲ 15 ዝዓንቀጻቱ መምርሒ ኣምራጺት ሽማግለ በብሓደ ተዘሪብሉ። ኣባላት ሽማግለ ዞባ ንኣተገባብራኡን ክመሓየሽ ኣለዎ ዝበልዎ ዓንቀጻቱን ኣመልኪቶም ሃነጽቲ ርእይቶታት ድሕሪ ምቕራብ ኣኼባ ብምምስጋን ተወዲኡ።
ኣብ ካልኣይ ኣርእስቲ፡ እተን ሰለስተሓይሊ ዕማማት፡ በብሓደ ስርሐንን በጺሐንኦ ዘለዋ ምዕራፍን ሓቢረን። ኣኼበኛታት፡ ካብ'ቲ ዝተዋህበ መግለጺታት ድሓን ዝዀነ መስርሕ ምቅርራብ ተኻይዱ ከምዘሎ ክግንዘቡ ክኢሎም። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ስሩዕ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ኣኼባ ከይተጸበና፡ ብተወፋይነትን ብንጥፈትን ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ለበዋ ብምትሕልላፍ ኣኼባ ብምርድዳእ ተዛዚሙ።
ሪፖርታጅ - ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ኮለን( Köln ) ሃገር ጀርመን፡ ካልኣይ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼብኡ ናይ 2015 ኣካይዱ
Written by EPDP Koln Branch, Germany
ኣብ ዕለት 31-01-2015 ካብሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.00 ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ Allerweltshaus Körne Straße 77-79 DPLZ 50823 Köln ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 ካልኣይ ኣኼባኡ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ዲሒሩ ዝመጸናሓበሬታኣነሆ።
እቲ ኣኼባ ብሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምኽፋቱ ናብቲ ምዱብ ዛዕባ ብምእታው መግለጺኡ ቀጺሉ። ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ብህሉው ኵነታት ሃገርናን ዕለታዊ ንጠፋታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብስፍሕ ዝበለ ድሕሪ ምሕባር ፡ብዝያዳ ድማ ንጉዳይ ምድላዋት ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰረት ቊዋም ሰልፍን ብመምርሒ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ተሞርኪሱ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዘሎዎን መግለጺ ሂቡ። ክም ተወሳኺ ነቲ ንዕለት 13.02.2015 ባህላዊ ምሸት ምድላዋት ከምዝገብሩን ሓቢሩ፡፡
ኣስዒቡ ሓው ኢብራሂም ዓጣ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ኣብቲ ናይ ሓው ዓንደብርሃን ብምቕጻል ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኣገዳሲ ሕቶታትን ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ስለ ዝቐረበ ከቢድ ክትዕ ኣካይዱ ።
ብድሕሪዚ ኣኼባኛ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብ ዝኽሪ ስዉኣት ብምግባር ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።
Important Eritrea – Ethiopia debate in the British parliament
Written by Martin PlautFriday, 30 January 2015 23:01
This is a summary of an important debate in the House of Lords last night, which was held at a critical moment. Critical for three reasons:
- The scale of the suffering by the tens of thousands fleeing Eritrea demands action: they cannot be treated as “economic migrants.”
- The UN special rapporteur on human rights in Eritrea, Ms. Sheila B. Keetharuth, is about to visit the UK to collect evidence.
- Ethiopia is due to hold an election in May and international scrutiny of this is vital.
The full version of the debate can befound here.
What was impressive was that many of the speakers could draw on personal experience of both countries: Baroness Kinnock (Glenys Kinnock) recalled her visit to Eritrea, as did Lord Dubs (Alf Dubs) and Lord Avebury. Lord Rea remembered meeting Petros Solomon (one of those who has been jailed by the Eritrean government for the last 13 years). They also drew on their experiences during the debate.
Two flaws
Overall this was an important and well-informed debate. But there were two flaws.
Firstly, the government was not prepared to be frank about how the Khartoum Process would work. No details were really given of what it would mean or how British policy would change as a result of it.
Secondly, it is clear that if the Eritrean regime really reduces its conscription to 18 months, then far fewer Eritreans are likely to be given refugee status in the UK. It is because of the fear of returning to Eritrean after Eritreans have fled from conscription that has been the reason most refugee cases have been accepted. As the minister said: “That is why some of the figures of asylum grants by us to Eritreans look so high, because clearly there has been concern about them returning to that country given their reasons for leaving.”
Martin
Ethiopia
Most attention was paid to Eritrea, but there were important points made about Ethiopia, which I will deal with first.
- Baroness Kinnock (Glenys Kinnock – Labour and former development minister) criticised both regimes. “Both Eritrea and Ethiopia have a Marxist-Leninist heritage. Ethiopia is still effectively controlled by the Tigrayan People’s Liberation Front, through a system of ethnic federalism. Although there has been some improvement we have to ask how it can be that, at the 2010 election, the EPRDF won 90% of the vote.”
- Lord Dubs (Labour) raised the question of freedom of speech in Ethiopia, in the context of the coming election. “Human Rights Watch said last week that 22 journalists, bloggers and publishers were charged with criminal offences in the past year, Six independent publications were intimidated and closed, with dozens of staff forced into exile. Three owners of publications also fled abroad to escape false charges that led to sentences of three years in prison in absentia. Six members of Zone 9, a bloggers’ collective, were charged under the counterterrorism laws and have been in custody for 274 days, sending a chilling message to online activists. Can the Government not make representations to Prime Minister Desalegn to relax the stringent controls on freedom of expression so that Ethiopians can have a genuine election in May?”
- Lord Avebury (Liberal Democrat) also called on Ethiopia to resolve its border dispute with Eritrea, and to abide by the Algiers Agreement by accepting the Border Commission’s findings. “Both countries had agreed to accept the commission’s decision as final, but when the details were published in April 2002, Ethiopia found one excuse after another to dispute the findings… The Ethiopians unlawfully occupied territory all along the border that should have been demilitarised under the settlement, and Eritrea has been forced to maintain large armed forces as a precaution against further military attacks by its bullying neighbour.”
Eritrea
The criticism of Eritrea during the debate was even stronger than of Ethiopia.
- Baroness Morgan (Labour spokeswoman in the House of Lords on Foreign Affairs) made this important point: “What is driving this mass exodus, which includes not just women and children but thousands of unaccompanied minors? The simple answer is that neither Ethiopia nor Eritrea is a functioning democracy. Although both Ethiopia and Eritrea are suffering real problems, there is more scope to influence activities in Ethiopia. In the past, there seems to have been a modicum of free speech and a free press in Ethiopia, although the Government’s intolerance of dissent seems to be increasing significantly in the face of general elections in May. There have been large-scale arrests of protesters and a crackdown on opposition opponents. This is particularly true in the Oromo region, where at least 5,000 people have been arrested as a result of their opposition to the ruling party. But if we think that the situation is bad in Ethiopia, it is truly catastrophic in Eritrea, where all freedoms were suppressed in September 2001. There is no religious freedom, as the right reverend Prelate underlined, no political pluralism, and no independent press in the nation. The forced and interminable military service to fight the unending border war with the neighbours in Ethiopia is clearly a real problem that is driving people from the country.”
- Baroness Kinnock described Eritrea in these terms: “The cruelty, tyranny and oppression of Isaias Afewerki and his regime know no bounds. Eritrea is isolated politically, regionally and internationally and it is under UN sanctions because of its alleged support for al-Shabaab in Somalia. The country is often described as Africa’s North Korea. All rights and freedoms are denied. There is no religious freedom or political pluralism, and no freedom of the media or of speech.”
- Baroness Kinnock went on to ask what the aim of the British government was in visiting Asmara and follow an apparent willingness from the European Union to have a “new beginning with Eritrea”. “ Does the Minister agree with the suggestion made by some European Governments that it is necessary now to offer additional support and engagement to Eritrea, arguing that additional aid will lead to more openness and to change? Surely there can be no “new beginning”, as has been suggested, with this regime. As history proves, concessions to regimes such as Eritrea will achieve absolutely nothing. I ask the Minister to give some detail on the apparent willingness of the UK to have discussions with the Eritrean regime on, “drivers of irregular migration and ways to mitigate it, asylum and returns, and potential areas for joint co-operation”. [Official Report, 6/1/15; col. WA 136.] What exactly does that mean? Will the UK delay any response on refugee policy until the UN commission of inquiry issues its report on the subject? European Governments should not make major Eritrean policy changes until they see the inquiry findings. Let us see if Eritrea is prepared to co-operate with the UN commission of inquiry before taking any hasty decisions. Now there are signs of unbelievable courage and determination in Eritrea on challenging Isaias Afewerki. The people are aware of the dangers of open protest, but we have to ask just how long they—and he—can hold on. We must urge the EU and others to make sure that the UN commission is given clear and urgent access. Isaias Afewerki’s agreement to co-operate would be the first test of whether he is ready to accept change. Whatever happens, if there is negotiation, the European Union and member states must not make quick concessions but use any momentum to ensure that there can be—and will be—fundamental change. The release of Dawit Isaak would be a welcome and symbolic victory.”
- Baroness Kinnock made the point that most Eritreans arriving in Europe should be considered as refugees, not ‘economic migrants’. “My final point relates to what are routinely called “irregular migrants”. These people arrive in Calais having endured a terrifying journey and are then treated as if they are economic migrants. This is clearly not what persuades them that they must leave Eritrea. Many other African countries are just as poor as Eritrea, but their citizens do not come to Europe in their thousands, as they do from Eritrea now. Will the UK argue for their right to stay and ensure that they are treated as refugees?”
Government policy
Replying to the debate for the government minister, Baroness Anelay (Conservative) accepted some of the points raised, but was naturally more cautious in what she had to say.
- UN Eritrea Monitoring Group: “I understand that Eritrea denies any support for al-Shabaab but continues to refuse entry to the monitoring group. We urge it to co-operate fully with the group’s work. I am entirely at one with the noble Lord in this matter.”
- EU-African Union Khartoum process, designed to tackle people smuggling and human trafficking. “We welcome the fact that both Ethiopia and Eritrea have expressed commitment to the Khartoum process. It provides the best framework to drive this issue forward. Noble Lords have drawn attention to the tension between Ethiopia and Eritrea. I would say to them that if they are taking the Khartoum process seriously, they have to take negotiation on the basis of solving the differences between them seriously too. As a member of the core group of EU and AU member states steering the development of how we take this process forward, we as a country are keen to ensure that we maintain momentum and that the process leads quickly to concrete projects that combat the smuggling and trafficking.”
- Eritrean conscription: “Having left and broken the rules on conscription, people are—I cannot think of the right word—terrified to return. That is why some of the figures of asylum grants by us to Eritreans look so high, because clearly there has been concern about them returning to that country given their reasons for leaving.”
- The UK official’s visit to Eritrea in December 2014: “They looked at the drivers of migration and particularly discussed the matter of extended military service. I can say to my noble friend Lord Chidgey that this was a useful starting point for further co-operation. A similar visit to Ethiopia is planned for the near future. With regard the visit to Eritrea, the Eritrean Government representatives assured the officials from the FCO that military service will be strictly limited to 18 months and, indeed, I have been briefed by those officials today. The undertaking has been given. It is matter now of making sure that that is put into practice.”
- The Algiers Agreement:Pushed by Lord Avebury, the minister said: “My Lords, international agreements, once entered into, should be adhered to”
- Human Rights:There are human rights abuses across the board. The right reverend Prelate raised the issue of religious freedom. We will continue to look very carefully at the matters he raised because, clearly, those are abuses that have occurred and, as he rightly says, particularly against groups that are not registered under the Eritrean system. There was a reference to the detention of political prisoners and journalists. We certainly try to establish the facts. There are still journalists in detention despite reports that six have been released. There was a reference to the Swedish-Eritrean journalist Dawit Isaak, who is still under arrest. With regard to all these matters, we do not give up. Just because it is difficult, we do not give up in pursuing our relationship with these two countries. Walking away would leave those who are the victims of persecution and misbehaviour by Governments in a more perilous position than they currently face. The commitment of this Government is that this is a challenge that requires a global, long-term response to a difficult problem. We will all keep trying to ensure that, as an international community, we do our best to tackle it for the sake of those behind the traffickers and behind Governments who do not have good governance.
ጽማቕ ናይ ዕለት 24-01-015 ብዶር. ኣደነ ገብረመስቀል ዝተካየደ መደረ ኣብ ፓል ሓርነት፡-
ሓው ኣዳነ ኣብቲ ብዛዕብኡ ክምድር ተዳልዩሉ ዝነበረ ኣርእስቲ ማለት ‘’ ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ‘’ ዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ምእታዉ ነቲ ኣቐዲሙ ብሓው ተስፍኣለም ተዋሂቡ ዝነበረ መግለጺ ብዛዕባ እንታይ ማለት ኢዩ ዲሞክራስን? ኣየኖት ኢዮምከ ዓንድታት ዲሞክራሲን? ብሰፊሑ ከምዝተገልጸን ኣብዚ ገዛ ከኣ እኹል ምይይጥ ስለዝተገብረሉ እዚ ዓይነት ልዝባት ክቕጽልን ምሉእ ኣፍልጦ ንኽህልወና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነዛ እንደልያ ዲሞክራሲያዊት ሃገርን ድልዱል ሓድነት ህዝቢ ክህልዋ ዝግባእን፣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ክትክውን ብፍላይ ከኣ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዝነገሳ ንምግባር ፍልጠትና ክዓብን ቅሩባት ክንከውን ምይይጥና ቀጻሊ ክኸውን ኢዩ።
ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርክዎ ሓው ተስፋኣለም ክገልጽ ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ ዲሞክራሲ፡ ንዝብል ከም ቃል ካብ ግሪኽ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ዲሞክራሲ ማለት ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ። ነዚ ናይ ህዝቢ ስልጣን ንምርቃቕን ብግቡእ ክመሓደር ምእንቲ ግዝኣተ ሕጊ ወይ ሕገ መንግስቲ ይሃንጽ። HANS KELSEEN ንሕጋውነት ክገልጻ ከሎ ከምዚ ይብል’’ እቲ ናይ እወንታዊ ሕጊ ዝለዓለ ጽፍሒ ቅዋም ኢዩ። ሓፈሻዊ ሕግታት ንምጥርናፍን ስርዓቱ ንምምድብን ቀንዲ ሓላፍነቱ ኢዩ።ሓፈሻዊ ሕግታት ተኣኪቡ ሕጋገ ይበሃል። ሕግታት ክሕገግ ከሎ ትሕዝትኡ ዝምድብን ዘፍቅድን ዝእግድን ነገራት ዝውስንን ቅዋም ኢዩ ይብል። እዚ ከም ስነ-ሓሳብ መሳርሒ ዜጋታት ካብ መግዛእታዊ ስነሓሳብ ናጻ ወጺኦም በብክእለቶምን ሓቢርካ ንኽትምዕብልን ፍልጠት ክትድልብን ቁጠባዊ መነባብሮኻ ክተመሓይሽን ማሕበራዊ ኣነባብራኻ ክተመዓራርይን ጥርኑፍን አርኑብን ምሐደራ ምእንቲ ክህልወካ ባዕልኻ ዘውጻእካዮ ሕግን ስርዓተ ምሕደራ ክህልውና እዚ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ምይይጥን ሓቢርካ እትቃለሰሉ ባይታ ኣብ ምብቃዕ ምስክር ኢዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ዜጋን ሓይልታትን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ምህናጽ ዝሰመረ ራኢን፡ ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን፡ መተካእታ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ኤርትራ በቲ ዲሞክራሲያውን ምዕሩይ ኣገባብ ቃልሲ ብዘተን ሓባራዊ ስርሓን እናኣማለአ ዕለት ዕለት ክእ ፍልጠቱ ንቕሓቱ ከማዕብል ከይተሓለለ ክጽዕር ይግባእ። እዚ ኣበሃህላ ሓው ተስፋኣለም ነዚ ሎሚ ሕጽር ዝበለ መግለጺ መእተዊ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ንክለተ መዓልቲ ዝወሰደ ሰሚናር መዘከርታ ክጠቕመና እውን ይኽእል።
እምበኣርከስ ካብ ዝሓለፈ ዝረአናዮ (CONSTITUTION) ቅዋም ማለት ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ተኣርኒቡ ዝቐመሉ ኣገባብ የስምዕ። መብዛሕትኡ ቅዋማት (ሕገ-መንግስቲ) ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ናይታ ሃገር ከም ዝኾነ ብግልጺ ወይ ብምእማት ይንገር። ግናኸ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ኢዩ ምባል ጥራይ፡ እዚ ቅዱስ ሕገ-መንግስቲ እዚ ቅኑዕን ምስ ሕጊ ዝሰማማዕን ምኻኑ ዘረጋግጽ ዋሕስ ኣይክውንን ኢዩ። WALTER F. MURPHY ከም ዝበሎ’’ ሓደ ሃገር ነቲ ቅዋም ኢሉ ዝጽውዖ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዝለዓለ ኢዩ ከኣ ዝበሃል ጽሑፋት፡ ዝጽብጸብን እተጋነነን መደረ ካብ ምኻን ሓሊፉ ባዕሉ መረጋገጺ ኣይኮነን።’’ ስለዚ፡ ሓደ ቅዋም ኣብ ወረቐት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ተግባር እውን ስልጣን ኣለዎ ምእንቲ ክበህል ብጀካ ግኑን መድረ ናይ ሓቂ ስልጣን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ክእ ሃገርን ህዝብን ትሓሪምዎን ትንፊግዎን ዘሎ ምኻኑ ናይ መታለሊን ኣደናጋርን ስርዓተ ኢሳያስ ዝገበሮ ብዘይ ሕፍረት ነቲ ኣብ ጉዕዞ ምትርጋም ኢና ዘለና ዝብልዎ ዝነበሩ ሎሚ ከይተወልደ ዝሞተ ክብል ዘስምዖ መደረ ናይ ኣደባባይ መካትዒ ኮይኑ እንሰምዖ ዘለና ኢዩ። ብመሰረቱ ቅዋም ኣይመውትን ኢዩ፡ ምስ ምዕባሌ ህዝብታቱ ክምሓየሽ ይኽእል ኢዩ። ግንከ ህዝቢ ፈጺሙ ስለዘይነድፍ ምስኡ እናወደቐን ተንሰኤን ዝጋዓዞ መስርሕ ኢዩ። ሰብ ከም ሰብ ሓላፊ ኢዩ። ሃገርን ደቂ- ሃገርን ግን ቀጸልቲ ኢዮም።
ኣብ ኣርእስትና ብምምላስ ሓድ ቅዋም ከም ዓንዲ ሕቐ ኮይኑ መሰረታዊ ስርዓታት ዝውሰኾ ቅርጺ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ቅዋም ሕጋዊ ወረቐት ወይ ሰነድ ኢዩ። ኣብ ልደት ሓንቲ ሃገር እተፈጥረ ቅዋም ዓወትን ሃረርታን ህዝቢ ኢዩ ዝገልጽ። ዝመጽእ ዝመናቱ ብሩህ ከምዝኸውን ድማ ይሕብር። እታ ሃገር ንሃረርታ ህዝቢ እንተጠለመት ግና ልክዕ ከምቲ ውልቀ መላኺ ዝገብሮ፣ ህዝቢ ነቲ ዝቖመ መንግስቲ ወይ ንስልጣን ሕግን ፍትሕን ከም ዝንዕቕ ዝገብሮ መንፈስ ክለዓል ይከኣል። እዚ እውን ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ባህርያት ኢዩ። ስለዚ ንሕና ክንገብሮ ዘለና ንህዝብና ሓያልን ፍልጠቱ ዘማዕበለን ካብ ቅዋም እተዋህቦ መሰላት ሓላዊ ንምግባር ኢዩ።
ልኡላውነት ቅዋም፡ ‘ልዕሊ ኩሉ ምኻን ወይ ኩሉ ዝለዓለ ደረጃ ስልጣን፡ ልዑል ምልኪ ተባሂሉ ይትርጎም። ስለዚ ቅዋም ናይታ ሃገር ካብ ኩሉ ዝለዓለ ሕጊ ምስ ዝኸውን ነቲ ዝተኽሎ ዓንዲ ዝኾነ ዝምድናታትን መሰረታዊ መሰላትን ባዕሉ ይሕልዎ። ኣብ ርእሲኡ ነቲ ሕጋዊ መእረምታ ዝገብር ስርዓት ብምቓም፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ብስልጣኑን፡ ንሕግታትን ንተግባር መንግስትን ‘ኣንጻር ቅዋም’ ኢለን ክብይና ከምዝኽእላ ምግባር ኢዩ።
ልዕልነት ቅዋም ኣብቲ ‘’ መንግስቲ ሕጊ (ግዝኣተ ሕጊ) ዝብል መትከል እተጠርነፈ ከም ዝኾነ ኣህጉራዊ ልምዲ ይሰርዕ ‘መንግስቲ ሕጊ ወይ ልዑላውነት ሕጊ ዝእዝዞ፣ ሕጋዊ ውሳኔታት፡ ኣብ ፍሉጥ መትከላትን ሕግታትን ብምጽጋዕ ከምኡ እውን ናጻ ርእይቶ ዝተሓወሶ ክኸውን ይግባእ። ፕሮፍሶር Moor ብዛዕብ ‘’መንግስቲ ሕጊ ’ ከምዚ ይብል፡- ቀንዲ ኣገዳሲ ትርጉሙ፣ መንግስቲ እቲ ዝመደቦ ነገራት ኣብ ፍቓድ ህዝቢ እተሰረተ ክኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብመንግስቲ ጭቆና ከይግበር ዝኽልክል መሰረታዊ መሰላትን ሓርነትን ዝሕሉ ኣብ ቅድሚ ናጻ ዝኾነ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝኽእል መዋቐርን ስርዓታትን ገይሩ ክዓዪ ይግበኦ። እዚ መትከል ውሳኔታት ብኢደ ወነና ዘይሕጋዊ ትእዛዝ ብፖለቲካዊ ጠቕሚ ብናይ ብሕቲ ረብሓ ምእንቲ ከይግበር ዝሕሉ ኢዩ።
ጥቅሲ ፕሮፈሶር MOORE ብዛዕባ ‘መንግስቲ’ ሓሙሽተ ሓሳባት ይህብ፡-
-መንግስቲ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ብህዝቢ
-ምፍላይ መዝታት፡ ቁጽጽርን ሚዛንን
-ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ዘለዎ ስልጣን ዝውስን ስርዓት (ምሕላው ሕርነትን ክብርን ሰብ)
-ደረት ዘለዎ መንግስትን (ፈደራላዊት) ዘይምእኩል ምሕደራ
-ብዛዕባ ሕገ-መንግስቲ ኣተጋባብራኡ ዘርኢ ናጻ ቤት ፍርዲ
ህዝቢ በዓል ምሉእ ስልጣን ኢዩ ዝብል መትከል ብኣህጉራዊ ልምድታት ከም UNHCR ዝበሉ ቅቡል ዝኾነ መትከል ኢዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዘበናት እውን ፍላስፋታትን ልቃውንትን ፖለቲካን፡ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ምኻኑ ተዛሪቦምሉ ኢዮም። ከም ጸብጻብ ናይ መበል 357 ኣኼባ HUMAN RIGHTS COMMITTEE ተገሊጹ ዘሎ። ‘’ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ፖሊቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ። ሰበ- ስልጣን መንግስቲ ናይ ህዝቢ ወዳእቲ ነገር ጥራይ ኢዮም። ስለዚ ጸብጻቦም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ይግበኦም።’’
ልዕልነት ቅዋም ንምርግጋጽ፡ ብቐጥታ እካ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምኻኑ ብጋህዲ ምእዋጅ ኢዩ። መብዛሕትኡ ዲሞክራሲ ቅዋም ስልጣን ንህዝቢ ይህቦ፡ እዚ ከኣ ሕገ-መንግስቲ ሕጋውነቱ ካብ ህዝቢ ይርከቦ እምበር ካብ ፕረሲደንት ወይ ካብ ሓጋጊ ባይቶ ወይ ካብ ንጉስ ከምዘይኮነ ይሕብር። ከምዚ ዝበለ ምርግጋጽ ዓቢ ግደ ዘለዎ ኢዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ቅዋም ዝገብሮ ዝኾነ ይኹን ንዕቀት ከምዚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝገብሮ ንስልጣን ህዝቢ ምዕምጻጽ ገበን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ምፍጻም ማለት ኢዩ።
እቲ ካስብ ሕጂ ዝተገልጸ ብዛዕባ ቅዋም ምስኡ ተኣሳሲሩ ግዝኣተ ሕጊ ንምብራህ ኮይኑ ብሓጺሩ ንምጽማቕ ዝኣክል፡-
ሀ- ቅዋም ልዕሊ ኩኩ ዝኾነ ሕጊ ሃገር ኢዩ ኢልካ ምእዋጅ።
ለ- ስልጣን ብምልኡ ናይ ህዝቢ ከም ዝኾነ ምእዋጅ
ሐ- መአረምታ ቅዋም ንምፍጻም ጽንዕ ዝበለ ስርዓትን ኣገባብን ከም ዝህሉ ምግባር።
መ- ባይቶ ኮነ መንግስቲ ንዝፍጽሞ ተግባራት ‘ኣንጻር ቅዋም’’ ኢዩ ክትብል ዘኽእል ስልጣን ምትካል።
ናይ መንግስቲ ኮነ ናይ ባይቶ ሕግታትን ፍጻሜታትን ዝምርምር ስልጣን ናጻ ቤት ፍርዲ ኢዩ። ሓያሎ ሃገራት ግና ንበይኑ ዝኾነ ካልእ ኣገባብ ኣለወን። ከም ደንማርክ፡ ነዘርላንድ፡ ሽውደን ዝኣመሰላ ሃገራት ንትግባረ መንግስቲ (ማለት ንፈጻሚ) ጥራይ እየን ብፍርዲ ቅዋማዊ ምኳኑክምርምራ ዝኽእላ። ባይቶ (ማለት ሓጋጊ ኣካል) ዝገብሮ ግና ካብ ምርመራ ፍርዲ ናጻ ኢዩ። እቲ ‘ዘይጽሑፍ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ብሪጣንያ ሕገ-መንግስቲ፡ ኣብያተ ፍርዲ ንሕግታት ‘’ ኣንጻር ቅዋም ኢዩ’’ ክብላ ስልጣን ኣይህበንን ኢዩ። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቅዋም ብዛዕባ ፍርዳዊ መርመራ ኣይገልጽን ኢዩ። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ግና ኣካል ናይቲ ቅዋም ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ሓዲሽ ዘበናት እዚ ንተግባር ባይቶን መንግስትን ብመርመራ ፍርዲ “ሕጋዊ ኣይኮነን” ክብል ዝኽእል ስልጣን ኣብ ቅዋም ብንጹር ተዋሂቡ ኣሎ። (ከም ኣብ ፍሊፕን፡ ኤስያ፡ ታይላንድ፣ጃፓን፣ኢጣልያ..) እቲ ምስ እዚ ክዓብን ክከላኸልን ዘለዎ ህዝቢ ብናጻ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ሚድያን ከምኡ ዝኣመሰለ በርጌሳውያንን ማሕበራት ብንቕሓት ብህዝቢ ንዝጸደቐ ቅዋም ምክትታል ዓቢ ግደ ኣለዎም።
ቅዋም ክበሃል ከሎ ነባሪ ዝበሃል ነገር ከም ዘየልቦ ክዝከር ይግባእ። ቅዋም እውን ይልወጥ ኢዩ። ኣለዋውጣኡ ግና ብቐሊል መገዲ ክኸውን ኣይግባእን። MERBEC ነዚ ዓሚቕ ሓሳብ እዚ ብፍኹስ ዝበለ ኣበሃህላ ገሊጽዎ ኣሎ። “ቅዋም ከምቲ ብግዜን ኩነታትን ዘይብሕጎግ ኣኻውሕ ጂብራልታርኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ቅዋም ሑጻ ደንደስ ባሕሪ ማዕበል በብቕሩብ ዝወስዶ እውን ኣይኮነን። ቅዋም ከም ሓደ ዘንሳፍፍ ጋራጅ መራኽብ ክመስል ይኽእል። ምስ መሬት ብቐይዲ ተታሒዙ ኩሉ ምስ ማዕበለ ግዜን ኩነታት ይድይብን ይወርድን።’’ ቅዋም ናይ ገሊኤን ሃገራት ኣዚዩዘገድስወይ ዘይትንከፍ ዓንቀጻት ኣለወን። ብፍላይ ኣብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን መአረምታ ከይግበር ብጋህዲ ይገልጻ። ስለዚ ቅዋም ብስልጣኑ ዘይእረም ክፍልታት ይሕዝ ኢዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ እውን ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ ብቅዋም ዝመሓደራ። ገሊኤን ህዝባዊ ቅዋም ዝሓዘላን ናይ ለውጢ ጉዕዞን ዲሞክራሲያዊ ባህርን ኣገባብን ብምጥቃም ኣብ ጎደና ምዕባሌ ዝርከባ ኮይነን ገሊኤን ግን ንሽሙ ቅዋም ሃልይወን ብኡኡዘይቅየዳ ኢየን። እቲ ዝገርም ከኣ ኣብ ውዕል ሕቡራት ኣፍሪቃ ኩለን እተን ኣብዚ ማሕበር ዝካፈላ ዲሞክራሲያዊ ቅዋም ክህልወንን ህዝቢ ኣብ ናይ ግዝኣተ ሕጊ ተሳታፊ ክኸው ኢዩ ዝጠልብ። እቲ ሕጂ ዘሎ ግን ኣብ መብዛሕትኤን ዘገምታዊ ጉዕዞ ሒዘን ክጓዓዛ ከለዋ ገሊኤን ከኣ ናጻ ዓይነት ቅዋማዊ ስርዓት ዘርእያ እውን ውሑዳት ኣይኮናን። ብወገና ነዚ ዓብላሊ--ገባቲ ነጻጊ -ኣግላሊ ዝኾነ ስርዓት ካብ ሱሩ ምሒና ዲሞክራሲን-ልኡላውነትን- ሓድነትን- ግዝኣተ ሕግን ክነስፍን ከይሰንከልና ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ክንመሃሃርን ክንመያየጥን ኮታ እኹል ኣፍልጦ ክህልወና ንመላእ ዜጋታትና ወይ ከኣ ህዝብና ከነመሓላልፎ ጻዕሪ ከድልየና ኢዩ። ስለዚ ናይ ሎሚ መደረና ወይ ምይይጥና ብዛዕባ ቅዋም ኣብዚ ብምድምዳም፡ ብዛዕባ ክፍሊ ስልጣን መንግስቲ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ክንዘራረበሉ ምእንቲ ባይታ ንገዛ ይገድፎ ክብል መደርኡ ደምደመ። ካብ ገዛ እውን ኣገደስቲ ሕቶታን መብርሂታትን ይወሃብ ኣብ ዝነበረሉ ፓልቶክ ስለ ዝተበላሸወ ንዝመጽእ ካብቲ ዝተቋረጸሉ ብምጅማር ክንቅጽል ምኻና ተረዳእና ተፋኒና።
ምምሕዳር ፓል ሓርነት
Two EPDP Branches in Germany Hold New Year 2015 Meetings
Written by EPDP Information OfficeEPDP Information Office
To rededicate themselves for renewed and more effective struggle in the New Year, two of the three branches of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) held their respective meetings during the first three weeks of January 2015.
The 3 January meeting of the EPDP branch in Cologne/Bonn and environs was addressed by the chairman of the German sub-zone, Mr. Tesfamariam Kibreab, Cologne branch chairman, Mr. Andebrahan Yohannes, Mr. Ibrahim Atta, finance officer for the Cologne branch, and Mr. Haji Salih Saeed, chairman of the Frankfurt branch, who updated the meeting on latest developments affecting Eritrea and its people and urged members to work with dedication to mobilize youth for the struggle.
Meanwhile, the EPDP branch for Frankfurt and environs, which held its New Year meeting on 18 January, was addressed on different subjects by Mr. Afeworki Abbai, leadership member of the German sub-zone; Haji Salih Saeed, Frankfurt branch chairman; Ms Feven Gideon, general secretary of the Frankfurt branch, and Mr. Kibrom Andom, finance officer of the branch. Besides discussing current events and problems facing Eritrean refugees, the speakers reminded branch members of the responsibilities awaiting every party member to promote the objectives of the current struggle to remove a repressive regime and replace it by a democratic system of governance. In particular, Mr. Afeworki Abbai presented a well prepared awareness lecture on the character of the dictatorial regime in Asmara and the role of the young generations of Eritreans both at home and in diaspora.
الأوضاع بمعسكر الشجراب بعد الأحداث المؤسفة
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريقامت السلطات السودانية بالمعسكر بتوزيع الألف معتقل من سكان المعسكر علي سجون كلٍّ من كسلا، حلفا الجديدة وخشم القربة. وبعد اعتراض مفوضية اللاجئين الدولية علي ذلك ومطالبتها بإعادة الأبرياء منهم الي موقعهم بالمعسكر وعدم الطرد الجماعي الي بلادهم لمن يدانون منهم، واستجابةً لذلك فقد أطلق فوراً سراح 400 منهم وأفادت السلطات أن البقية يخضعون للتحقيق علي أن يقدموا فيما بعد للمحاكمة التي تقرر وضعهم النهائي.
وعن ضحايا الغرق فقد أفادتنا المصادر بأن جهود البحث قد أسفرت عن العثور علي جثة واحدة، وبذلك يبلغ عدد الجثث المعثور عليها التسع جثث، وهناك عدد كبير يتلقون العلاج بالمستشفى جراء إصاباتهم أثناء تعرضهم للضرب من السلطات.
من جهةٍ أخرى طالب حزب الشعب الديمقراطي الارتري عبر مذكرة لمفوضية اللاجئين بالأمم المتحدة بتحمل المفوضية مسئوليتها عن سلامة وحفظ حقوق اللاجئين بالمعسكر.
بعد حياةٍ عامرة بالنضال المخلص والطويل في مختلف المواقع العسكرية والمدنية ، رحل المناضل علي عامر محمد حسب الله عن دنيانا الفانية في الثالث من يناير 2015م بالعاصمة السودانية الخرطوم حيث وارى جسده الطاهر عدد مقدر من رفاقه وذويه. المناضل الراحل من مواليد 1958م في منطقة ( قار عوبل ) بعنسبا، إلتحق بجبهة التحرير الإرترية في 1974م وعمل في عدة مواقع عسكرية منها قائد سرية في اللواء(77) ثم أخضع لدورة تدريبٍ عالٍ في التمريض والطبابة.
في الثمانينيات شارك المناضل/ عامر بدورٍ كبير في تأسيس وافتتاح مدرسة ود شريفي للاجئين الارتريين بمعسكر ود شريفي. وبعد أن استقر به المقام بمعسكر الشجراب للاجئين الارتريين أصبح عضوا قياديا في فرع جبهة التحرير الإرترية ـ المجلس الثوري بالمعسكر ثم بحزب الشعب الديمقراطي بعد الوحدة الاندماجية بين المجلس الثوري والحزب الديمقراطي. شارك في كل مؤتمرات التنظيم والحزب عضوا فاعلا ومتفاعلاً بهمة ونشاط عاليين. كما خدم شعبه كثيراً عبر العمل والتعاون مع المنظمات الدولية والإغاثية المعنية.
عرف الفقيد بتفانيه ونضاله الدؤوب وعلاقاته الواسعة وطيب معشره، الفقيد أب لثمانية أطفال.
بهذه المناسبة الحزينة فإن حزب الشعب الديمقراطي الارتري يدعو للفقيد بالرحمة والغفران وأن يلهم أسرته ورفاق نضاله جميل الصبر وحسن العزاء.
More...
حزب الشعب الديمقراطي يناشد السلطات الألمانية محاكمة قتلة اللاجئ الارتري بألمانيا
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي مذكرة بعث بها الي وزير الخارجية الألماني السيد/ فرانك فالتر شتاينماير ناشد حزب الشعب الديمقراطي الارتري الالمان محاكمة المتهمين بقتل اللاجئ الارتري الشاب/ خالد ادريس بحراي بمدينة درسدن بألمانيا في العاشر من يناير 2015م.
هذا وقد أوردت وسائل الاعلام العالمية أن خالد البالغ من العمر العشرين عاماً والذي خرج من منزله بغرض التسوق في الثامنة مساءاً بتوقيت ألمانيا لم يعد الي منزله ليلته تلك، ليعثر عليه في الصباح قتيلاً ملقىً به أمام منزله وبجسده عدة طعنات بالسكين في مختلف أجزاء الجسد.
في مذكرته التي بعث بها في الثالث عشر من يناير 2015م الي المستشارة الالمانية عبر وزير الخارجية الألماني ناشد حزب الشعب
الديمقراطي الارتري السلطات الألمانية إجراء كل التحقيقات اللازمة لمعرفة المتورطين في هذه الجريمة النكراء والمحزنة وتقديم القتلة الي العدالة.
المذكرة التي عممت الي وزراء الخارجية والداخلية والعدل الألمان لم تخف الشكوك التي راودت الحزب حول احتمال أن يكون منفذو الجريمة عنصريين مقيمين بالمدينة التي شهدت الحادثة.
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ንኡስ ዞባ ሃገረ ጀርመን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣፈናዊ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ
Written by EPDP Information Office -Germany Sub-Regionኣብቲ ልሙድ ኣኼባ ዘካይደሉ ኣዳራሽ ቦኮንሃይም ኪርሽ ፕላትስ ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ንሰለስተን ፈረቓን ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።
ብመጀመርታ ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፡ ብምስናይ እንቋዕ እውን ድማ ካብ 2014 ዓ.ም. ናብ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዓ.ም. ኣሳገረኩም ከምኡውን እንቋዕ ርሑስ በዓል ልደት ገበረልኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።
ኣስዒቡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ንንጥፈታት ሰልፊ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስትእብ ኣስመሮም ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝገበሮ ዑድትን ንምክትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ወልደሱስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ 16 ሃገራት ዝተኻፈሎ ኣኼባ ብምጥቃስ፡ ቀጺሉ ነቲ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝወረደ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ኣብ ናይ 2014 ዓ.ም. ጨንፈር ፍራንክፈርት ዘካየዶ ምምሕዳራዊ ዝርዝር ናይ መደምደምታ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ብስፍሕ ዝበለ መንገዲ ገሊጹ።
ሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ እዚ ዓመት እዚ ካብቲ ዝሓለፈ 2014 ዓ.ም. ዝበለጸ እንሰድርሓሉ ዓመት ክኸውን ኵላትና ብሓባርን ብልዝብን፤ ስምምዕን ብጸዓትን ክንሰርሕ ኣሎና ክብል ንኣኼበኛ ኣተሓሳሲቡ። ኣስዒባ ሓፍቲ ፈቨን ጊደዎን ዋና ጸሓፊት ጨንፈር ብጉዳይ ድንገተኛ ንኡስ መንእሰይ ኤርትራዊ ካልድ እድሪስ ኣብ ድርስድነር ሃገረ ጀርመን ዝተገብረ ድንገታዊ መቕዘፍቲ ሎሚ ንዓኡ ጽባሕ ድማ ንዓና ክበጽሕ ከም ዝኾነ ካብዛ ዕለት እዚኣ ክንሓስበሉን ነፍስና ክንቁጠበሉን ስለ ዘሎና ኵላትና ብሓባር ኣበቱታና ንዝምልከቶ ከነብጽሕ ኣሎና። ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ድንገት እዚ ኣመልኪቱ ንወጽኢ ገዳይ ሚኒስተር ጀርመን ብጉዳይ ሞቱ ኣልዒሉ መመራንዱም ከም ዝጸሓፈ ድማ ኣብሪሃ።

ብድሕሪዚ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣባል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሽማግለ ንዕስራን ሓሙሽተን ደቓይቕ ዝወሰደ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ክልተ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣልዒሉ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ንሳተን ድማ ቀዳመይቲ ስለምንታይ ኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ኣብዚ ኵነታት እዚ ወዲቑ፤ ካልኤይቲ ግደ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ለውጥን ምሕዳስን እንታይ ግደ ክቃለስ ይግብኦ? ነዚ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣዚ ሓደ ብሓደ ብምትንታን ብዛዕባ ባህርያት ጉጅለ ስርዓት ኣስመራ ንዘለዎ ብደዔህዝቡን ብዛዕባ ባዕሉ ንዝፈጠሮ ሽግር ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ሕቡራት ዓለምን ምስልባጡን፡ ድሕሪ ምግላጽ ንመንእስያት ካብ ቀዳሞት ኣቦታቶም ተሞክሮ ብምቕሳምን ምትብባዕን ብግቡእ ተወዲቦምን ተማሂሮምን ተጠርኒፎምን ለውጢ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ጥርጥር ከምዘይብሉ ብብምርግጋጽ ኣጥቢቑ ኣስሚርሉ።
ብድሕሪዚ መንእሰይ ሓው ክብሮም ዓንዶም ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብምቕጻል ንሕና ካብ ሽግርን መከራን ወጺእና ኣሸሓት ብጾትና ድማ ኣብ ጉዕዞ ብዝተፈላለየ ድንገት ጠፊኦም ተሪፎም፡ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንዝክር ይግባእ፡ ሕጂውን ኣብ ስደትና ስዒቡ መጺኡና ዘሎ ቅትለት ጠንቂ ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ብምርዳእ ቀጥ ኢልና ክንቃልውስ የድሊ ክብል ቅሬታኡ ገለጹ።
ብድሕሪ ኣኼበኛ ነቲ ናይዞም ብጾት ዝሃብዎ መግለጺ ብምግንዛብ ተወሳኺ ሓሳብን ሕቶን ርእይቶን ለበዋን ብምሃብ ብዝኽሪ ስዉኣት ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ።
መስርሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባአ ሰደህኤ ቀጻሊ ኣሎ
Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካለኣይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራኣሰናዳኢት ሽማግለ ካለኣይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘውጸኣቶ መደብ መሰረት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ቀዳማይ ዙርያ ምይይጥ የካይዱ ከም ዘለዉ እታ ሽማግለ ገሊጻ። እቲ ዜና ከም ዝገለጸ ኣባላት እዚ ሰልፊ ጀሚረምዎ ዘለዉ ምይይጥ ነቲ እቲ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ክምረሓሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከም ንድፊ ብምውሳድ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ ምይይጥ’ዚ ዝእከብ ሓድሽ ሓሳብ ተወሲኹ ካልእ ንድፊ ክዳለው እዩ። እዚ ቀዳማይ ዙርያ ምይይጥ ምስ ተወደአ ድማ ኣብቲ ዝዳለው ንድፊ ካልኣይ ዙርያ ምይይጥ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ካለኣይ ዙርያ ምይይጥ ሓሳባት ተወሲኽዎ በታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ ተራእየ ናይ መወዳእታ ንድፊ ኮይኑ ናብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሃት ክረምቲ ዝካየድ ጉባአ ቀሪቡ ከም ዝጸድቕ ክፍለትጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብዚ መስርሕ ኣባላት እቲ ሰልፊ ዝምርሕሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናይ ምሕንጻጽ ደሞክራሲያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ብዘይካቲ ብስሩዕ ዘካይድዎ ምይይጣት ብውልቂ እውን ጠቓሚ ዝብልዎ ሓሳብ ናብታ ምድላው ሰነዳት ዝምልከታ ንኡስ ሽማግለ ዘቕርብሉ ዕድል ዝኸፍት እዩ። እታ ኣሰናዳኢት መስርሕ ምስንዳእ ጉባአ ናይ ግዜ ቆጸራ ወጺእካ ዝካየድ ስለ ዝኾነ ኣባላት ሰልፊ ከይሰልከዩ ዝለዓለ ጻዕሪ ንከካይዱ መጸዋዕታኣ ኣቕሪባ’ላ።
ብዘይካ’ዚ እዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ መዳያት ሎጂስቲክን ፋይናንስን ኣብ ኣሰታትፋ ኣባላት ናብ ጉባአን እውን ብጻዕቂ ትሰርሕን ተኸታተልቲ ኣኼባታት የካይድን ምህላዉ ናይታ ሽማግለ መራሕን ሓላፊ ቤ/ጽ ውደባዊ ጉዳያትን ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ሓቢሩ ኣሎ።
18 ጥሪ 2015
كلمة رئيس الحزب بمناسبة العام الجديد 2015م
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي البدء وبمناسبة العام الجديد 2015م أزف التهنئة الحارة للشعب الارتري ولكل القوى المحبة للعدالة والتغيير الديمقراطي من تنظيمات سياسية ومنظمات مجتمع مدني، كما أتقدم بالتحية والإكبار لأولئك الذين ضحوا بحياتهم، أموالهم، جهودهم وكل ما يملكون من أجل أن تنعم الأجيال القادمة بالحرية والحياة السعيدة، فبتضحياتهم الغالية صارت ارتريا دولة مستقلة ذات سيادة، مناشداً في الوقت ذاته الأجيال الحالية والقادمة تسلم الراية لنقل الشعب الي الأهداف والآمال والطموحات التي ضحى من أجلها أبناؤه الشهداء.
الأخوة والأخوات الكرام:
ها نحن قد استدبرنا العام 2014م واستقبلنا العام 2015م، وهذا يحتم علينا كأفراد، تنظيمات سياسية ومنظمات مجتمع مدني أن نقيم ما سجلناه في العام الماضي من نجاحات وإخفاقات، وننطلق في العام الجديد نحو مزيد من الإنجازات وتصويب الأخطاء.
إن ما شهده العام المنصرم من تزايد وتيرة المقاومة للنظام بالداخل والخارج، كان أمراً باعثاً علي الأمل والتفاؤل، فقد قدم الارتريون من نساء وشباب وأطفال صوراً مختلفة من معارضة ورفض الدكتاتورية في أنحاء مختلفة من العالم، كذلك أعلن الزعماء الدينيون بكل شجاعة رفضهم ومقاومتهم النظام، ورفضوا تماماً تدخله في شؤون عملهم الروحي، لذا وجب علينا جميعاً أن نشجع تلك الأعمال والنشاطات الشجاعة ونوسع من دائرتها.
بتصرفاته الرعناء عزل نظام إسياس نفسه عن العالم، والمعارضة بصفة عامة وحزبنا علي وجه الخصوص عمل في جميع المحافل الاقليمية والدولية علي المزيد من فضح وعزل النظام واعتلى منابر عديدة ممثلاً لارتريا وآمال وآلام شعبها. وكان إحياء ذكرى مأساة لامبيدوزا التي راح ضحيتها المئات من الشباب الارتري إحدى تلك المناسبات التي عمل فيها الحزب وأصدقاؤه علي لفت نظر العالم وضميره الي مأساة شعبنا بالداخل وما يعانيه جراءها من تشرد وتهلكة بالجملة والمجان. لذلك يتطلب منا تطوير هذه الإنجازات والحفاظ علي تلك المكتسبات.
علينا أيضاً توسيع دائرة ما وجدناه من تضامن مع شعبنا من شعوب ومنظمات وهيئات افريقية متمثلة في لقاء جوهانسبيرج الذي نقل قضيتنا الي أوساط كنا الي حدٍّ كبير بعيدين ومعزولين عنها.
ما تعانيه حكومات الغرب من تدفق اللاجئين اليها نتيجة مآسي ارتريا والشرق الأوسط قد يجبرها حفاظاً علي مصلحتها أن تقترب من نظام ارتريا الدكتاتوري القمعي وأن تنسق سياسات هجرتها معه، لذا يجب أن يشهد العام الجديد 2015م نشاطاً عالياً ومكثفاً في مجال الدبلوماسية الشعبية نوطد من خلاله علاقاتنا بالهيئات الحقوقية والانسانية.
الإخوة الأعزاء:
لم يشهد العام المنصرم ما يعول عليه من نشاط كبير للمعارضة يعطي دفعة قوية لنضالنا لإسقاط الدكتاتورية أو تقوية وحدة صفوف المعارضة. بل ازدادت فيه المعارضة تشرذماً وتبادلاً للتشويه والاتهامات، وتعالت في صفوفها الميول والنزعات الاقليمية والمناطقية التي لا تفيد الشعب شيئاً إلا أن تزيده تشتيتاً وتمزقاً. لذا علينا في العام الجديد أن نتأهب لنبذ مثل هذه التوجهات الضيقة الأفق ونعمل جميعاً علي إنجاز أسمى الأهداف الوطنية، وبما أن شعبنا بأسره لم يفد من هذا النظام إلا الأذى والضرر علينا أن نتخذ من انتشال شعبنا الصبور الوفي من براثن وقيود الهقدف أسمى الأهداف وأولاها باهتمامنا. أهدافنا ومرامينا يجب أن تتخطى أشخاصنا، مناطقنا، أقاليمنا ..الخ.
2015م يجب أن يكون عام تكثيف ورفع مشاركة قطاعي المرأة والشباب في نضال المعارضة، ولن يتأتى ذلك إلا بتفهم تطلعات القطاعين وحل مشكلاتهما وتحقيق أحلامهما، كما لن يسهل الوصول الي هذين القطاعين إلا بتأطيرهما داخل الكيانات السياسية والمدنية.
علي مستوى اللجوء والتشرد كان العام المنصرم 2014م الأعلى نصيباً عما سبقه من الأعوام، بل شهد هذا العام زيادةً ملحوظة في هجرة وتشرد القصر دون ولي أو وصي، ويترك ارتريا مهاجراً عدد يتراوح بين 3000 – 4000 شخص في الشهر. كان المفترض أن يكون شباب اليوم من يحملون أمانة الشهداء في أعناقهم فيعملوا، يدرسوا أو يبنوا البلاد، ولن تبلغ البلاد مرادها بدون وجود ومشاركة الشباب، لذا يجب أن يكون العام 2015م العام الذي يشهد وقف تدفق الهجرة والتشرد في أوساط الشباب الارتري، نحن في حزب الشعب الديمقراطي نرى أن يكون ذلك عبر الوسائل والطرق الآتية:
1- إسقاط النظام الدكتاتوري وإبداله بنظام انتقالي عادل.
2- خلق فرص عمل وتأهيل فني وأكاديمي للاجئين الارتريين بكل من السودان، اثيوبيا واليمن.
3- التعاون بين حكومة ارتريا ودول الجوار والمجتمع العالمي علي محاربة تجارة وتهريب البشر.
4- أن تزيل حكومات المنطقة التهميش السياسي، الاقتصادي والاجتماعي عمن ينشط من مواطنيها في هذه التجارة الممقوتة مثل قبيلة الرشايدة في السودان وبدو سيناء في مصر.
5- حتى تساهم حكومات الغرب في الحد من الهجرة غير الشرعية الي بلدانها يجب أن تفتح أبوابها للهجرة الشرعية.
الإخوة والأخوات:
علي المناضلين في سبيل الحرية والعدالة أن يركزوا علي العمل وسط الشعب بالداخل، وأن نسعى الي ترك التراشق بيننا ونعمل جميعاً من أجل الوطن والشعب دون التقوقع علي أهدافنا الذاتية الضيقة، وأن نلاقي شعبنا بالداخل ونعمل معه يداً بيد. اليوم لا تقوم المعارضة بعمل فعال بل تترصد أخطاء وممارسات النظام الخاطئة فقط، بينما شعبنا يعيش الشح والندرة في جميع الخدمات الأساسية، لذلك علينا نحن في المعارضة أن نبرهن للشعب علي ما نملك من برامج وقدرات وإمكانات كفيلة بتخليصه مما يعيشه من أوضاع متردية، وإلا فلن يتعاطف معنا الشعب ولن نكسب ثقته. لذا يجب إثبات قدرتنا علي حل ما يعانيه شعبنا من مشكلات.
العام الجديد أيضاً يجب أن يشهد مجهودات دؤوبة لمعرفة مصير سجناء الرأي والضمير في بلادنا، علينا أن نضغط علي النظام لإجباره علي كشف ما يخفيه من حقائق عن مصير هؤلاء السجناء. لابد لنا من تكثيف الضغط المحلي والخارجي لمعرفة مصير الأحياء والأموات من السجناء، وأن يقدم الأحياء منهم الي المحاكمة أو يطلق سراحهم فوراً وبلا شروط.
الإخوة والأخوات:
حزبنا سوف يواصل هذا العام ما بدأه العام المنصرم من تكثيف لقاءاته الثنائية والمتعددة الأطراف مع مكونات المعارضة وسيبذل كل ما يسعه لتحويل مجهوداته واتفاقاته في هذا المجال الي نتائج وخطوات ملموسة.
عام خير وسعادة ووفاق
منقستئاب أسمروم
رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري
31 ديسمبر 2014م