ሪፖርታጅ ኣኼባ ዞባ ሽማግለ ኤውሮፓ ኣብ ፓል

2015-02-10 04:46:12 Written by  ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ ፍትዊ ክፍለ Published in EPDP News Read 2857 times

ዕለት 01-02-2015 ኣኼባ ዞባ ሽማግለ ኤውሮጳ ተኻይዱ።

ዛዕባ፡-

1-     መግለጺ ሓጻይት ሽማግለ ሰዲህኤ ኣገባብ ኣመራርጻን ቅጥዑን

2-    ጸብጻብ ጉዕዞ ሓይሊ ዕማም ( ምቅራብ ፈስቲቫል ቦታን ግዜን- ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳን ብምውህሃድ ምስ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰልፊ / ምምሕያሽ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ)

ከምቲ ልሙድ ብኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ኤውሮጳ ሓው ብረሃነ ገበረክርስቶስ ከምዚ ክብል ኣኼባ ከፊቱ። ብመጀምርያ እዚ ድሕሪ 05-12-2014 ዝገበርናዮ ምዱብ ኣኼባ ንመጀምርያ እዋን ኣብ 2015 እንራኸብ ስለ ዘለና ርሑስ ዓምትን ተስፋን ብርሃን ዝጀመረ ዓመት ትሓልፍ ክትህልው ልባዊ ትምኒተይ ይገልጽ። ቀጺለ ንሓው ረዘነ ተስፋዮን ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ምስ ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ምክትል ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ብዛዕባ ኣጋባብን- ኣመራርጻን ቅጥዕን ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ዝብል ከብርሁን፣ ሓቢርና እንሰርሓሉ መዳይ ክንዛተ፣ ብሽመይን ብሽም ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ የመስግን።

እዚ ኣርእስቲ እዚ እቲ ዘድልዮ ምርድዳእ ምስ ተገብረሉ ስዒቡ ብመሰረት ውሳኔታት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዝወጸ ምቓም`ኣሰናዳኢ ሽማግለ: ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ተመርኵስና ዘውጻእናየን ሓይሊ ዕማም ክንሰምዕን ገምጋም ጌርና ንምምዕባሉ ክንዝቲ ኢና። ስለዚ ኣቐዲመ ንሓው ረዘነ ኣቦ መንበር ሓጻይት ሽማግለ መጉልሕ ድምጺ የመሓላልፍ።

ሓው ረዘነ መግለጺኡ ብምጅማር ኣቐዲመ ንመጀመርያ እዋን ምስ ሓለፍቲ ዞባ ኤውሮጳ ተረኺበ ብጉዳይ ዲሞክራሲያዊ  መስርሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጸ ንማእከላይ መሪሕነት ካብ ኣባላት ሰልፊ ኣጋባብን ኣመራርጻን ቅጥዕን ፣ደብዳበ ተላኢኩምሲ ኣንቢብክሞ ንዘተ ተቐሪብኩም ከም ዘለኹም ዝለኒ እምነት፣ ምስ ኩሉአን ወጺኤን ዘለዋ ሽማግለታት ኣብ ትሒቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፣ምሉእ ምትሕብባርን  ንምግባር ፣ብወገንኩም ሓይሊ ዕማም ኣውጺእኩም ተበጊስኩምሲ ድሮ ናብ ገምጋም ኣኼባ ክተካይዱ ክሰምዕ ከለኹ እቲ ብንጥፈትን ተብዓትን ተታሒዝክሞ ዘሎኹም ንምዕዋትን ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ክህልዎ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ፣ንዓይን ንመሪሕነትን ንኣባላትና ዓቢ ተስፋን ዝሰርሕ ሰልፊ ከም ዘለና እውን ዘርኢ ምስክር ምዃኑ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እቲ ቅጥዒ ኣገባብን ከመይ ጌርና ግብራዊ ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ኣማሓይሽና ንቐርበሉ ምኽርን ምዕዶን ክንወሃሃብን ከምቲ ግቡኡ እውን ዞባን መሪሕነትን ተራኺብካ ልዝብ ኣብ ኣሰራርሓን ምምሕያሹ መሰረት ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንንምምላኡ ኢዩ። ከም እትርእይዎ ሰልፍና ሕብረ ብሔራዊ ሰልፊ ስለዝኾነ ንኹሉ ውክልናን ማለት ( ብሄር-ጾታ-ሃይማኖት-ኣውራጃ -ዕድመ ወዘተ…) ዘማልኤ መሪሕነት ክህልወና እቲ እንደልዮን እንጽበዮን እዃ እንተኾነ፡ ኣዚ ግን ብዋጋ ደጊመ ብዋጋ ብቕዓት ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ ጠመተና ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ዘይረኣናዮ ፖለቲካዊ ዘተታትን ተመክሮን ስርሓትን ብዙሓት ዜጋታትና- ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ርኢናዮም ኣስተብሂልናን ስለዘለና ብብቕዓት ዝተኸለሰ ተወፋይነት ዝተሓወሶ ሕጹያት ክነቕርብ ኢዩ እቲ ድሌት ባህግን፣ እሞ ምሉእ ምትሕግጋዝ ብፍላይ ከኣ መሰረታት ኣብዚ ግዳይ እዚ እታ ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ናይ ዕጫኻ ምውዳቕ ወይ ምምራጽ ክጥቀሙሉ ክንደጋገፍ ተሳትፍኦም ከበርክቱ ከም ዘሎዎም ክንገብር የማሕጽን ብምባል መግለጺኡ ደምደመ። ሓብቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ም/ኣ/መ ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ነቲ ሰፊሕ መግለጺ ናይ ሓው ረዘነ ብምምርኳስ ብፍላይ ኣብ ተኻፋልነት ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ነዚ ተኸፊቱልና ዘሎ ባብ ብምሉእ ምሉኡ ብምጥቃም ነቲ ተካእቲ ናይ ዘጽንሑልና ዓበይቲ የሕዋትና ክንበቖ ክንጥቀመሉን ወረስቲ ወይ ከኣ ተቐበልቲ ሕድሪ ክንከውን ይግባእ ክትብል መግለጺኣ ደምደመት። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ  ዞባ ንእወዓዕልኡን ክመሓየሽ ዝብልዎ ሓሳብ ኣቕረቡ። ነቲ 15 ዝዓንቀጻቱ መርሆ አምራጺት ሽማግለ በብሓደ ብምምያጥን ምርዳእን ተካይዱ ብምምስግጋን ናይዚ ኣርእስቲ ወዲኡ።

ኣብ ካልኣይ ኣርእስቲ :ሰለስተሓይሊ ዕማም ብበሓደ ምግላጽ ስርሔን በጺሔናኦ ዘለዋ ምዕራፍ ድሕሪ ምግላጽ ደሓን ዝኾነ ምቅርራብ ተገይሩ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግንዛብ ብጻዕቅን ብጽንዓትን ኣበርትዒና ክንሰርሕ ከምዘላና ከም ኣድላይነቱ ስጋብ እቲ ልሙድ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝግበር ኣኼባ ከይተጸበና ህጹጽ ኣኼባታት እናኣካየድና ስርሓትና ክነሳልጥ ከምዘለና ሓባራዊ ምርድዳእ ኣካይድና።

ካብ ዜናን ባህልን ዞባ ኤውሮጳ

ፍትዊ ክፍለ

Last modified on Tuesday, 10 February 2015 05:53