ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳ፡ ምስ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍር ኣውሮጳን ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ

2015-03-16 12:37:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3000 times

ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳ ዝመርሖ ኣኼባ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍር ኣውሮጳን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ15 መጋቢት 2015 ተኻይዱ። ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕላፍ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ኣብ'ቲ ኣኼባ ምርካቦም ሓጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ።

ኣስዒቡ፡ ኣኼባ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት ብዛዕባ ምድላው 2ይ ጕባኤ ሰልፍን ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ዝምልከት ገምጋም ምዃኑ ሓቢሩ።

ቅድሚ ናብ'ዚ ኣጀንዳ'ዚ ምእታዉ ግን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ መነባብሮ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብሪሁ። እቲ ስርዓት፡ ኣብ ቤት መኻእ፡ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ጐዳይፍ፡ ጸሎት ኣብ ዓዲቐይሕ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ገሊጹ። ኣብ ዓዲ ቀይሕ፡ ህዝቢ ንብረቱ ንምክልኻል ኣብ ዝገበሮ ተቓውሞ ክሳብ 4 ዝዀኑ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክዛረባሉ ምጽንሐን ውን ጠቒሱ።

ብወገና፡ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ምቅላዕን ናይ ህዝብና ኣበያታት ክዓብን ክሕይልን ከይተሓለልና ክንቃለስ ኣሎና ኢሉ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሰልፍና ምስ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ክሰርሕ ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ብዛዕባ ምድላው ጕባኤ ብዝምልከት፡ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናብ ኵሎም ኣባላት ዞባ ኣውሮጳ ወሪዱ ኣዝዩ ጠቓሚ ክትዓት ከም እተኻየደን ርእይቶታት ኣባላት ኣብ'ቲ ንድፊ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከምዝተላእከን ሓቢሩ። ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝተኻየደ ምይይጥ ብምምጓስ፡ ንንድፊ ቅዋም ውን ብተመሳሳሊ መንፈስ ብዕዙዝ ተኻፋልነት ናይ ኣባላት ብሃነጽቲ ርእይቶታት ምቕራብን ከምዝዛዘም ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ።

ንፈስቲቫል ኤርትራ 2015 ኣመልኪቱ ድማ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርኻብ መደባት ተሓንጺጹ ናብ ኵለን ጨናፍር ክለኣኽ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣባላት ድማ፡ ኣብ ፈስቲቫል ምድላው ዘለዎም ርእይቶን ለበዋታትን ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ክልእኩ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት ኣብ'ቲ ዝቐረበ ዛዕባ ኣገደስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ብምቕራብን ንስራሕ ዘለዎም ቅሩብነትን ብምግላጽ ኣኸባ ብክብ ዝብለ ፍናን ተዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 17 March 2015 04:06