ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 ን 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዝዛም በዓል ተኻይድ።

2015-03-18 07:34:30 Written by  ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ Published in EPDP News Read 3651 times

ከምቲ ዓመት መጸት ብሃንቀውታታ እንጽበያ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲ-ሸሪፈይ ዓመታዊ ትምህርታ ብግቡእ ኣሰላሲላ ኣብታ መማህራን ፍረ ጻምኦም ዝርእዩላ፣ ተማሃሮ ውጽኢት ስርሖም ዝሓፍሱላ ዕለት 15.03.2015 ንርከብ ኣሎና። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ተማሃሮ ኣጋይሾም ንምሕጓሰ ኩሉ ምድላዋት ጌሮም ሸበድበድ ክብሉ ክትርኢ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ተማሃራይ ከሎኻ ዘሕለፍካዮ ግዜ ትዝ ይብለካሞ ‘’ ኣየ ዝሓለፈ ግዜ ዝምለስ እንተዝኸውን ‘’ ትብል። ግን ዘይከውን ስለዝኾነ ‘’ ዘለናዮ ግዜ የጽብቐልና ‘’ ብምባል ክትሰግሮ ትፍትን።

wedSheriffey 8

ኣብቲ ቅንዲ ኣርእስተይ ክምለስ ‘’ ሎሚ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያ ወዲ ሸሪፈይ ዕውት ናይ 2014 – 2015 ዓመተ ትምህርቲ ምዕጻው በዓል ተኻይዱ። ኣብቲ በዓል ዕድመ ዝተገብረሎም ሓለፊ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ሱዳን፣ ወለዲ ተማሃሮን ኣሕዋት ዑስማን ኣሕመድ ፣ ዒሳ መሓመድ ወለዲ ተማሃሮን መንእሰያት ተቐማጦ መደበር ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ ተሳቲፎም። እቶም ዓመት መጸት ካብዚ በዓል እዚ ተፈልዮም ዘይውዕሉ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ብምኽንያት መገሻ ክሳተፉ ዘይምኽኣሎም ስክፍተኦም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

wedSheriffey 9

እዚ 2 ኣሳእል እዚ ናይቲ ቦታ ጸቢብዎ እከሎ ብትዕግስቲ ዝከታተል ዝነበረ ተሳታፋይ ናይቲ በዓል የሪኢ።

በዓል ልክዕ ሰዓት 8.30 ናይ ንግሆ ኢዩ ተጀሚሩ። ክሳብ ሰዓት 11.00 ቅ.ቀ. ከኣ ብድምቀት ቀጺሉ ኣአፊዱ። ኣብዚ ብኣባላት ክፍሊ ባህሊ ናይ ተማሃሮ ዝተዳለወ ብቛንቛታት ትግርኛ ፣ ዓረብ ፣ትግሬ ን እንግሊዝን ዝግለጽ መዛሙር ፣ ደርፍታት ፣ ተዋስኦን ዋዛ ምስ ቁምነገር ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዘደንቕ ኣገባብ ይቐርብ ነይሩ። ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል መግለጺ ናይ ሓጎሶም ብጣቒዕትን ዕልልታን የሰንዩዎ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ናይ ተማሃሮ መደባት ቃል ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ ፣ ብዳትርክተር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብትግርኛ ከቐርብ ከሎ ፣ ትርጉም ብዓረበኛ ከኣ ብመምህር መሓመድ ስዒድ ተነቢቡ ።ከምኡውን ንተማሃሮ ወኪላ ቃል ተማሃሮ ብቛንቛ ዓረበኛ ተማሃሪት ኣቕሪባ።

wedSheriffey 10

ንተማሃሮ ወኪላ ዝተዛረበት ተማሃሪት 5ይ ክፍሊ መርየም ኣደም ዑስማን እያ። እቲ ዝሃበቶ ቃል ከኣ ተማሃሮ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ከዘውትሩዎ ዘለዎም ጠባያት ብሰፊሑ ብምግላጽ፣ ምኽባር ወለዶምን መማህራን፣ ምኽባር ካባኻ ብዕድመ ዝበልጹ ሰባት፣ ካብ ንሰውነትካ ከባላሹ ዝኽእል ዝተፈላለየ መርዝታትን ወልፍን ምርሓቕ ፣ ኮታ ኣብ ከነውረኻ ዝኽእል ቦታታት ኮፍ ዘይምባል፣ ብዓቕምኽ ንስድራቤት ምሕጋዝ ዝብል ይርክርቦ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዚ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኸረክብ ፍቃድ ዝሃቡና ህዝብን መንግስትን ፍሉይ ምስጋና ይብጻሓዮም። እቶም እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ህያው ዝገበሩን፣ ትምህርቲ ንኸይቛረጽ ቀዳማይ ዕማሞ ወሲዶም ሓገዛት ንምርካብ ድቃስ ዘይወስዶም ሓለፍቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲን እቶም ድምጾም ሰሚዖም ዝተፈላለየ ሓገዛት ዘቕርቡ ዘለው ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ልባዊ ምስጋናና ይብጻሓዮም። ብዓቢኡ ከኣ መማህራና ንኹሉ ዝተፈላለየ ጠባያትና ጸይሮም ፍልጠት ከቕሱምና ዝከኣሎም ዝጽዕሩ ክብርን ሞጎስን ንዓኦም ይኹን። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ናይ ወለድና ግደውን ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ንምንታይሲ ወለድናውን ጥቕሚ ናይ ትምህርቲ ተረዲኦም ናብ ትምህርቲ ዓለም ምልኣኮም ብቀሊል ዝረኤ ኣይኮነን። ክንደዮ ብሰንኪ ወለዶም ትምህርቲ እንዳደለዩ ኣብ ዘይጠቅም ሕማቕ ስራሓት ተዋፊሮም ዝርከቡ። ኩቡራት ወለድና ሞጎስ ንዓኹም ይኹን። ንሕና ከኣ ጻማኹም ክንህበኩ ረቢ ይሓግዘና ። ብምባል ዘረባኣ ዛዚማ።

ዳይርክተር ቤት ትምህርቲ መምህር ተኽለሃይማኖት እልፉ ብወገኑ ፣ መጀመርያ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ሓደ ብሓደ ናይ ክብሪ ሰላምታን ናይብ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ። ቀጺሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ቤት ትምህርትና ከቕርብ ኣፍቁድለይ። ብምባል ኣብ ትሕዝቶ ናይ መልእኽቱ ኣትዩ።

wedSheriffey 11

ንጸልማት ቀንጢጣ ብርሃን እተንግስ ፣ ንድንቁርና ጉሒፋ ፍልጠት እተልብስ ፣ ንዘሎኻ ዕቑር ፍልጠት እተስፍሕ ፣ ንኸለሳዊ ሓሳብ ናብ ተግባር እትቕይር ንሳይንስን ተክኖሎጀን ኣዋሃሂዳ ኣብ ረብሓ ደቂ-ሰባት እተውዕል ፣ ኣብ ኩሉ ጨንፈራት ምዕባሌ ሕ\ስብ ወሳኒ ግደ እትጻወት ትምህርቲ ከምዝዀነት ኩሉ ሰብ ዝግንዘቦ ንመስለኒ። ከምኡ ስለዝዀነት ኢዩ ኻኣ ብዘይትምህርቲ ዝመጽእ ምዕባሌ የለን ዝበሃል። ብምባል እዩ ዘረብኡ ጀሚሩዎ።

ስለዚ ጥቕሚ ትምህርቲ እዚ ካብ ኰነ ወለዲ ንደቆም ና ቤት ትምህርቲ ክልእኩ እንከለው ፍልጠት ንኽቐስሙ ድኣ’ምበር ካብ ሹቕ ምእንቲ ክርሕቑ ወይ ከኣ ኣብ ዙረት ከይውዕሉ ብማለት ክኸውን የብሉን። ንተማሃራይ ተማሃራይ ዘብሎ እኮ ግቡእ ክዳን ቤት ትምህርቲ ለቢሱ ብግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ፣ ትምህርቱ ብግቡእ ዝከታተል፣ ዝወሃቦ ትምህርቲ ብጥንቓቐ ዝቕበል፣ ዕዮ ክፍልን ዕዮ ገዛን ብግቡእ ዝሰርሕ፣ ብስነ ስርዓት ዝመላለስ ፣ ዘይድንጕ ፣ ዘየቡክር ፣ ኣብ ፈተናታት ኮነ ኣብ መርመራታት ኣደናጊሩ ዘይቀድሕ፣ ኣብ ነፍሱ ዝተኣማማን ፣ ንወለዱ ይኹን ንመማህራኑ ምእዙዝ ፣ ዘይሕሱ ሓቀኛ ምስ ዝኸውን ኢዩ። ጠባይ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ገዛን ከባብን ኢዩ ዝጅምር። ኣብዚ ከኣ ወለድ ይኹኑ መማህራን ተማሃራይ ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይግባእ።

ዝኸበርኩም ወለዲ ፣- ኣብ መኣዲ ትህምርቲ ምሕላፍን ምትራፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ’ሞ ንዝተዓወተ ተማሃራይ ምንኣድ፣ ንዘይተዓወተ ድማ ተስፋ ምሃብስራሕና ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ዘበን ቤት ትምህርትና ብ666 ተማሃሮ ጀሚራ ብ577 ተማሃሮ ዓመታዊ ትምህርታ ትዛዝም ኣላ። ኣብዚ እቶም 315 ደቂ ተባዕታይ ክኾኑ ከለው እተን 262 ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ብዝሒ ተማሃሮ 515 ክኾኑ ከኣው ፣እቶም እቶም 280 ደቂ ተባዕትዮ እተን 235 ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን።ኣብ ዝነበርዎ ክፍሊ ዝደገሙ ተማሃሮ 62 ክኾኑ እንከለው ካብዚኣቶም 35 ደቂ ተባዕትዮ 27 ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ዝሓለፉ ተማሃሮ ብሚእታዊት ክግለጽ ከሎ 89.25% ኢዩ። ናይ ዘይተዓወቱ ድማ 10.75% ኢዩ።

wedSheriffey 12

ኣብ መጨረሻ እዛ ቤት ትምህርቲ ‘ዚኣ ኣብ ውሽጢ 31 ዓመታት ብዙሓት ተማሃሮ ዘፍረየት ክትከውን እንከላ እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝተሃንጸት ብገንዘባዊ ሓገዝ ሆላንዳዊት ገቢረ-ሰናይ ማሕበር ቫስተን ኣክቴ ከም ዝኾነት ክዝንጋዕ የብሉን። ምሉእ ምሓዳስን ካልእ ተወሳኺ ሓገዛትን ዝገበሩልና ነፍስሔር ኣቦና ኣባ ማሪኖ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ። ግብረሰናይ ማሕበሮም ከኣ ዕላምኦም ብምኽታል ንሰደተኛታት ህጻናት ንምምሃር እጃምም ከበርክቱ እጽውዕ። ከምኡውን ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምህናጽን መካየዲ ነዛ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ብምቕራብን ዘይተፈለየትና ማሕበር ረዲኤት ስዊዝ ንህጻናት ኤርትራውያ ኣሰ (ASEE )ብስመይን ብስም ተጠቀምቲ ናይዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ዝዀኑ ኩሉም ልዑል ምስጋናይ እቕርበሎም።

wedSheriffey 13

ሕጂውን እንተኾነ ተማሃሮ ናይ ምንባብ ባህሎም ዘማዕብልሉን ፍልጠቶም ዘስፋሕፍሑሉን ቤተ ንባብን ነቲ ብኽለሰ ሓሳብ ዝተማህርዎ ብተግባር ዝርእይሉ መባእታ ቤተ-ፈተነ ከምኡውን ትምህርቲ ኮምፒተር ስለዘድሊ ንደገፍትና ብትሕትና ክንሕብርት ንፈቱ። አንፈሳዊ ኣቦና ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ዋላኳ ብዝተደራረበ ስራሕ ምኽንያት ኣብ ሞንጎና እንተደይ ተረኽቡ ወዲ ሰብ ክመሃር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ዕላማ ተዓጢቖም ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንናን ኣብ ጎድኒ ተማሃሮን ጠጠው ብምባል ዘይሕለል ጻዕሮም ስለዘይፍለየና ልባዊ ምስጋናይ ይቕርበሎም። ከምኡውን ንተበግሶ ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ንመግዝኢ ክዳን ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ዝውዕል 1000 ሐደ ሽሕ ዮሮ ዘወፈያልና ከመስግን ይፈቱ። ነቶም ኣብ ጎንና ኮይኖም ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና ብምባል ዓቕሞም ዘፍቕዶ ዘበርክቱ ማሕበር EDA ሰሜን ኣመሪካ ብኣወንታ ከይዘከርኩ ክሓልድ ኣይደልን።

መማህራን እውን ዝናብን ጭቃን ውሕጅን ቁርን ሃሩርን በብእዋኑ ተጻዊሮም፣ ተማሃሮና ከይተማህሩ ክውዕሉ የብሎምን ብማለት ንዝገብርዎ ጻዕሪ ከመስግኖም እፈቱ።

ንማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ጨንፈር ወዲ ሸሪፈይ ንመማህራና ይኹን ንተማሃሮና ብዝህቡና ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣዝየ አመስግኖም። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዛ ቤት ትምህሪ እዚኣ ህጻናት ተማሃሮ ብዘይ ስኽፍታ ከም ገዝኦም ብሓጎስ ዝመሃሩላን ዝዕንድሩላን ፍልጠት ዝቐስሙላን ዘለው ሳላ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ስለዝዀነ ኣብ ትምህርቲ ንዘለዎም ክብሪ እናኣድነቕኩ ብስመይን ብስም ህጻናት ተማሃሮ ልዕል ምስጋናይ ክቕርበሎም እፈቱ፣፣ ሊቃውንቲ ይኹኑ ተመራመርቲ ስንቆም ትምህርቲ ብምባል ዘረብኡ ዛዚሙ።

ድሕሪ ሰላም ዘርእስታ ግጥሚ ብቛንቛ ትግርኛ ብሓደ ተማሃራይ ምስማዕ ከኣ ፣ ነቶም ካብ ነፍስወከፍ ክፍሊ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ 36 ንፍዓት ተማሃሮ ፍሉይ ናይ ብልጫ ምስክር ወረቐትን ንዓኦም ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ህያባትን ብኢድ ኣኻያዲ ቤት ትምህርቲ ሓው ዑስማን ኣሕመድ ብምዕዳል ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮይኑ።

wedSheriffey 14

እዚ እቲ በዓል ምስ ተዛዘመ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፋሕ ኢሎም ክወጹ ከለው ዘርኢ ስእሊ ኢዩ።

Last modified on Wednesday, 18 March 2015 08:45