ብዛዕባቲ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ዝምራሕ ንህዝብና ደም ዘንብዕን ዝናን ያታን ሃገርና ዝደቁስን ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ክንጽሕፍን ክንዛረብን እንከለና ከከም ኣረደዳኣና ብዙሕ ኣገላልጻታት ኣለና። በቲ ንምጻእ በዚ ግና “እቲ ጉጅለ ይቕረ ዘይበሃል ሓጥያት ዘለዎ፡ ውጹእ ጸረ-ህዝቢ እዩ” ኣብ ዝብል ማእከላይ ግንዛበ ኢና ንራኸብን ንሰማማዕን። እስኪ ንሎሚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ “ኤርትራ: ፍሉይ መንግስታዊ ተርእዮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ጉጅለ ዝገለጸሉ ወሓለ ኣበሃህላ ንተዓዘብ። “ሓደ ዓመታዊ ባጀት ዘይብሉ: ሳይነሳዊ ኣገባብ ምሕድራ ዘይጥቀም: ቀዋሚ ወትሃደር ዘይመስረተ: ፍሉጥ ናይ ውሽጥን ወጻእን ፖሊሲታት ዘየዘውትር: ንቡር ናይ ባንክ ኣሰራርሓ ዘይጥቀም: ህዝቡ ንወጻኢ ኪውሕዝ ዚውዕል: ቅዋም ዘየጽደቐ: ስማዊ ሚኒስተራት ዚሸይም: ዓለም ዚፈልጦ ዩኒቨርሲቲ ዘይብሉ: ንምሉእ ህዝቢ ዘዐስክር: ሲቪካዊ ትካላት ዘይፈቅድ: ኣምባሳድራቱ ከም ካድረታት ዚቝጸሩ: ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኪብኣስ ዚውዕል: ከመይ ኢሉ እዩ ህላዌ ረኺቡ ዘሎ?” ይብል። ምስዚ ንሕግን ፍትሕን ቦታ ዘይህብ፡ ካብቲ ንሱ ዝኣምኖ ሓሳብ ዝተፈልየ ንዘቕርቡን ሃገር ከይትጠፍእ ዓገብ ንዝብሉን ቦታ ዘይህብ “ካብ ጥዑይ ጽሉል ክትብሎ ዝሓይሽ ዲክታቶር እዩ” ዝብል ገለጻ ወሲኽካ ኣበሃህላ ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ ይበል ዝበሃል እዩ።
ጃምላዊ ማእሰርቲ ሓደ ካብ ጸረ-ህዝቢ መርኣያታት እቲ ጉጅለ እዩ። ምስ ኣሰረ ነቲ ዝኣሰሮ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘየቕርብ፡ እቲ እሱር ነብሱ ክከላኸል ዕድል ዘይህብ፡ ቤተሰብ እሱር፡ እሱሮም ኣበይ ከም ዘሎ ክፈልጡ ዕድል ዘይህብ ምዃኑ ድማ ንኣገባብ ኣተኣሳስርኡን ጭካነኡን ዝያዳ ሰማይ የዕርጎ። ብዓብይኡ ንሃገርና ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ዓባይ ቤት ማእሰርቲ” ዝብል ስም ዘተሓዛ ገበነኛ እዩ። ኮታ እዚ ባህርያት ናይዚ ጉጅለ ተወጊዱ ብልዕልና ፍትሒ ክሳብ ዘይተቐየረ ተግባራት ናይዚ ኣሳሪ ብቐጻሊ ክኹነን ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ንኹሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሪ ባህሪ ብፍላይ ድማ ናይቶም ብ18 መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ’ሞ “ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና? መንገድና መንገዲ ደሓን ኣይኮነን” ኢሎም መዋጸኦ ክርከብ ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ዝተኣስሩ ኣብዚ ቅነዚ ብኤርትራውያን ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ይዝከሩ ኣለዉ። እዚ ዓመት ዓመት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝካየድ ዝኽሪ እሱራት፡ ንልቢ ዲክታቶር ኢሳይያስ ከም ዘየራህር’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ ወጻዒ ናይ ምውጋድ ዕማም ከም ዘለዎ ደጋጊምካ ንምርዳእ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብዚ መዳይ ተጽዕነኦም ከዕርፉ ዝግበኦም ኣካላት ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ከየብኩሩ ንምዝኽኻር ቦታ ኣለዎ። ቀንዲ ማእከል ናይቲ ዝኽሪ፡ ብዛዕባቶም ዝተኣስሩን ኣተኣሳስረኦምን እናዘከርካ ምቑዛም ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ዓይኒ ማይ ናይዚ ማእሰርቲ ነንጽፎ ዝብል ክኸውን ይግበኦ። እዚ ጉዳይ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኻት ቆላሕታኡ እንዳ ሰሰነ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመልክቱ ጉዳያት እውን ይረኣዩ ኣለዉ። እቲ ማዕበላዊ ሓይሊ ጀነቫን ካለኦት ቦታታትን ዘስዓበ፡ ውጽኢት ምርመራ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ኣገዳሲ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ብርግጽ ናይ 18 መስከረም ጃማላዊ ማእሰርቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ዕዙዝ ግምት ዝወሃቦ ምንባሩን ምዃኑን’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ናይቲ ጉጅለ ግፍዕን ማእሰርትን በዚ ከም ዘይተጀመረ ግና ንኹልና ስዉር ኣይኮነን። ብዘይካዞም ዝጠቐስናዮም ኣብ ዒራዒሮ ዝሳቐዩ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍትን ጋዜተኛታትን፡ ቅድሚኦም ኮነ ድሕሪኦም ተኣሲሮም ኣብ ፈቐዶ ጐዳጉዲ ዝሳቐዩ ዘለዎ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውሑዳት ኣይኮኑን። በዚ ኣጋጣሚ ንሳቶም እውን ክዝከሩ እዩ ዝግበኦም። ብሰንኪ ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣገለን እገለን ኢልና ክንዝርዝሮም ዘጸግመና ብዙሓት ብዘይካ “እዚ እዩ ምእንቲ ብሩህ መጻኢ ሃገርናን ህዝብናን ክንሕዞ ዝግበኣና መንገዲ” ዝብል ካብ ናይቲ ዲክታቶር ዝተፈልየ መርገጽ ምሓዝ ካልእ ኣበሳ ዘየብሎም ኣብ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻን ዝተቐንጸሉን ዝተጨውዩን ንጹሃት ኤርትራውያን እውን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ዝኽሪ የድልዮም እዩ። ከም በዓል ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ማለትና እዩ።
ናይዚ ዝኽሪ ማእከል እውን እዚ ብዘስገድግድ ንገልጾ ዘለና ግፍዒ ዝውገደሉ መንገዲ ንምርካብ፡ ቅድም ምስ ነብስናን ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ትካልን ደሓር ድማ ምስ ከም ናትና ርኢቶ ዘለዎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ህዝባን እንዛተየሉ እዩ። ዓመት ዓመት ዝሓለፈ ግፍዒ ካብ ምጽብጻብ ሓሊፍና፡ ነዚ ንሓልፎ ዘለና ናይ ግፍዒ ዘበን፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ናይ ራህዋ መድረኽ ኮይና ነዘንትወሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግበኣና። እቲ ናይ ጽቡቕ መጻኢ መጸዋዕታ ናባና ናብ ውሽጥና እምበር ናብቲ ሓንሳብ ምስ ጨከነ ንድሕሪት ዘይምለስ ዲክታቶር ከም ዘይኮነ ኣዳዕዲዕና ክንርዳእ ይግበኣና። ጉዳይ ልዕልና ፍትሒ ኣብ ሓደ ሃገር ተደሪቱ ዝተርፍን ሓንሳብ ተላዒሉ ዘብቅዕን ዘይኮነስ፡ ንምውሓሱ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት ዘየቋርጽ መስርሕን እዩ። ሰደህኤ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ኣብቲ ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ዝምልከት ክፋል ውሳነኡ፡ “ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍልይ ከኣ ናይ ሰብኣዊ መሰል ትካላት፡ ነዞም ብዘይካ በጃ ህዝቦም ምሕላፍ ካልእ ገበን ዘይብሎም ብናይ ሓሶት ክሲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ተጽዕኖኡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ከሐይል ካብ'ዚ ጉባአና ንጽውዕ።” ዝበሎ ካብዚ ብምንቃል እዩ።
እዚ ጉጅለ ክኣስርን ክቐትልን እንከሎ ምሂዙ ዝቓንዮ ጠቃኒ ሓሶታት ኣለዎ። ነቲ ሓቀኛ ኣሳሪ ባህሪኡ ንምሕባእ ዝሕግዞ ጠቐነታት ይፈጥር። ነቲ ናቱ ሓጥያት ንምኽዋልን፡ እቲ ሓቀኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ክነሱ፡ ካልእ ጸላኢ ምሂዙ ናይቲ ህዝቢ ቀልቢ፡ ኣብ ክንዲ ናብቲ ሓቀኛ ጸላኢኡ ናብ ካልኦት ቀዳምነት ዘይወሃቦም እቲ ዶክታቶር ዝስእሎም ናይ ሓሶት ጸላእቲ ከም ዘመዓዱ ክገብሮ ይፍትን። ከምቲ ውሽጣዊ ዕዮ ገዝኡ ንምድፋን ናብ የመን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክትኩስ ዝጸንሖ ማለት’ዩ። እዚ ምህዘኡ ሎሚሎሚ እንዳተኸሸሐ ዝመጽእ ዘሎ’ኳ እንተኾነ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰማዒ እዝኒ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን። እቶም ሓሓሊፎም ዝስምዑ “ እዚ ሰብእይ እንታይ ዘይገብረ፡ ጸላእቲ በዚሐሞ፡ ቁርብ ተተጸሚምናዮ ሃገር ሒዛቶ ዘላ ብመግቢ ንብስኻ ናይ ምኽኣል መደብ’ዩ … ወዘተ” ዝብል ላሕታት ድምጽታት ነዚ ዘመልክት እዩ። ነስተብህለሉ’ሞ እቲ ላግጺ “ብመግቢ ነብስኻ ምኽኣል”። እዚ ጉጅለ ኣብቲ ዝኣስረሉ እዋን እውን ነቶም ንዕኡ ባህ ዘይብሎ ንኤርትራን ህዝባን ግና ዘዋጸኦም ናይ ደሞክራሲ፡ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ምኽባር መሰልን ተኸባቢርካ ብሓብር ምንባር ዛዕባታት ዘልዓሉ ኣካላት ዝህቦም ዝነበረ ናይ ሓሳቶ ቅጽላት ናይ ምዕራባውያንን ወያነን ዕሱባት ዝብል ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ነቶም ብሰንኩ ስደት ዝመረጹ መንእሰያት ድማ ብናይ ምዕራብ ብልጭልጭ ዝተዓሸዉ እዩ ዝሎም። ዝኾነ ኮይኑ ማእሰርቲ ካብ ጸረ-ህዝቢ ተግብራት ናይቲ ጉጅለ ሓደ እዩ እሞ፡ መፍትሒኡ ከዓ ብመሰረቱ ነዚ ጉጅለ ምውጋድ ምዃኑ ንረዳእን ንግብራውነቱ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ንትግሃሉን።
ወጽዓ ህግደፍ ብስሙር ቃልስና ዝውገድ እምበር ነባሪ ኣይኮነን!
ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ መንእሰይን ናይ ተካእነት ግደኡን ዝበሃሉ ብዙሓት እዮም። “መንእሰይ ውዑይ ሓይሊ’ዩ፡ መንእሰይ ተረካቢ ሕድሪ እዩ፡ ንእስነት ዕዳ’ዩ፡ ንእስነት ከደትየ ከምዚኣ እንዳበለትየ” ካብቲ ብዙሕ ብውሕዱ እዩ። እዚ ኩሉ ክጠቓለል እንከሎ ኣብ ናይ ወለዶታት ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ግደ መንእሰይ ወሳኒ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ንእስነት ከምቲ ካልእ ተርእዮታት ሓላፊ እምበር ነባሪ ኣይኮነን። ንግዜ ንእስነቶም ኣብቲ ግዜኡ ዘኹርዕ ተግባር ዝሰርሕሉ ምስ ሓለፍዎ፡ በቲ ዝሰርሕዎ ይሕበኑ እምበር ኣይጠዓሱን እዮም። ናይ ንእስነት ግዜኦም ከይተጠቕምሉ ዝሓለፎም ግና ይጠዓሱ እሞ፡ “ዋይ ሕጂ ናብ ንእስነተይ ተዝምለስ” ይብሉ። እንተኾነ እቲ መስርሕ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዝግዛእ ስለ ዝኾነ ዋላ ሓደ’ኳ ተመንዩ ናብ ንእስነት ክምለስ ዘይክእል ዘይምለስ ጣዕሳ እዩ።
እዚ ምስ ናይ ግዜ ኣጠቓቕማ ውሕልነት እውን ዝተሓሓዝ እዩ። “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ኣበሃህላ ቀሊል ይመስለና ይኸውን ግና መሰረታዊ እዩ። ዕድመ ብግዜ እዩ ዝዕቀን ንግዜ ብሻላማላ ከተሕልፍ እንከለኻ ንዕድሜኻ ብግቡእ ትጥቀመሉ የለኻን ማለት እዩ። መንእሰይ ዝኽወን ብግዜ እዩ። ካብ ናይ መንእሰይ ክሊ ዝውጻእ’ውን ከምኡ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ከስተምህሩ እንከልዉ “ግዜ ንወዲ ሰብ ብናጻ ካብ ዝተዋህብዎ ቀንዲ ህያባት ሓደ እዩ። ብግቡእ ናይ ምጥቃሙ ጉዳይ ግና ናይቲ ተቐባሊ እዚ ክቡር ህያብ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ዕዉታት ዝበሃሉ ንግዜኦም ብግቡእ ዝተጠቕምሉ እዮም” ዝበልዎ ሕጂ ክዝከሮ እንከለኹ ይገርመኒ። ግዜ ንእስነት ኸዓ ካብቲ ናይ ህጻንነት ኮነ ናይ እርጋን ግዜ እቲ ዝኸበረ ናይ ለውጥን ምህዞን እዋን እዩ። ነዚ ስለ ዝተረደአ እዩ ኸዓ ኣባል ጨንፈር ፍራንክፈርት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መንእሰይ ክብሮም ኣብ ኣኼባ ጨንፈሩ "ናይ ጽባሕ ዘይኰናስ፡ ናይ ሎሚ፣ ወረ ናይ ሕጂ ተረከብቲ ሕድሪ ክንከውን ኣለና" ዝበለ። እዚ ኣበሃህላ ነቲ “ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝብል ኣበሃህላ ዘዕዝዝ እዩ። እዚ ኣብ ንቡር ኩነታት እውን ካብ መንእሰይ ክስማዕ ዝግበኦ ኒሕ ኮይኑ፡ ምስዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘለውዎ ናይ “ኣፍ ኣርክቡ” መድረኽ ከዓ መሊሱ ክንህር ዝግበኦ ኣበሃህላ እዩ። ከምቲ ወዲ ሰብ ብመዘንኡ’ዩ ዝመዓድ ዝበሃል ከዓ እዚ መልእኽቲ ካብ መንእሰ ክብሮም ናብ ኩሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ዝመሓላለፍ ዘሎ መልእኽቲ እዩ’ሞ ሰማዒ እዝንን መስተውዓሊ ሕልናን ኣይስእንን እዩ ዝብል እምነት ኣለና።
መንእሰይ ምስ ኩሉ ውዑይ ጉልበቱን፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባኡን በይኑ ተንጠልጢሉ ዝዋሳእ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝወርስን ነቲ ዝወረሶ ምስ ህልዊ ኩነታት ቃንዩን ኣሕዲሱን ዘተግብርን እዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ መስርሕ፡ ንእስነት ካብኡ እንዳረሓቐት ካልኦት ከተሰልፍ ክትጅምር እንከላ ከዓ ብግዲኡ ዘውርስ እዩ። ስለዚ ኣብቲ መስርሕ ኣብ ሓደ መድረኽ ወራሲ ዝነበረ ኣብቲ መጻኢ ድማ ኣውራሲ ይኸውን። እቲ ምውርራስ ከዓ መስመሩ ሓልዩ ይቕጽል። እቲ ምውራስ ዘይተርፍ ኮይኑ እቲ ዘሻቕልን ስራሕ ዘድልዮን ናይቲ ተውርሶ ውርሻ ክብደትን ዓይነትን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዝሓልፍ ሕማቕ ገዲፉ ክሓልፍ እንከሎ፡ ነቲ ወራሲ ዝጸንሖ ንሱ እቲ ሕማቕ እዩ። ካብዚ ንምድሓን እዩ እምበኣር ሓደ ሰብ “ንቐጻሊ ወለዶ እንታይ እየ ከውርስ” ኢሉ ክጭነቕ ዘገድዶ።
ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክንመጽእ እንከልና ነዚ ሕጂ ናይ ንእስነት ዋልታ ዓቲሩ ዘሎ ወለዶ ገሊኦም ዕድለኛ ወለዶ እዮም ዝብልዎ። ምኽንያቶም ድማ ድሕሪ ናጻነት ዘውሓሰ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ናይ ጽንዓትን ሓርበኝነትን ኣብነት ዝኾነ ኤርትራዊ ኣውራሲ ወለዶ ስለ ዝመጸን ቀዲሕካ ዘይውዳእ ተመኩሮን ታሪኽን ስለ ዘለዎን። በቲ ካልእ ድማ እዚ ወለዶ ዝተበደለ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ናይ መንእሰይ ባህግታት ኣብ ዝነፍግ ስርዓት ጉጅለ ኢሳይያስ ይነብር ስለ ዘሎ ይብሉ። ክልቲኡ ሚዛናት ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡ እቲ ሃብታም ውርሻን ህልዊ ኣጨናቒ ስርዓትን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ መንእሰይ ነቲ ዝወረሶ ሓርበኝነት ዓጢቑ ኣንጻር’ዚ ህልዊ ጨቋኒ ኩነታት ተቢዕካ ካብ ምቅላስ ሓሊፉ ምርጫኡ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ቃልሲ መሪር፡ ሓያልን ዝተሓላለኽን ምዃኑ’ውን ፍሉጥ’ዩ። ምስዚ ኩሉ ምረቱ ግና ናይዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝገሃዱ ናይ መንእሰይ ሓላፍነታት ሓደ ዓይነት ክኾኑ ባህርያዊ ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተዋሰአ መንእሰይ ወለዶ ነቲ ደማዊ ትውልዳዊ ብጽሒቱ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢሉ ክቡር ህይወቱ ሂቡ ኣዕዊትዎ’ዩ። ነዚ ሕጂ ኣብቲ ናይ ንእስነት ደረጃ ዘሎ ኤርትራዊ ትውልዲ ድማ እዚ ንሓልፎ ዘለና ኩነታት ገጢምዎ ኣሎ። ናይ ግድን ድማ ፊትንፊት ክገጥሞ ኣለዎ እምበር፡ ወይ ንድሕሪት ክምለስ ወይ ንቕድሚት ክሓልፍ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝሓለፈ ዋናታት ነይረምዎ። ነቲ ዝመጽእ ከዓ ዋናታት ክህልውዎ እዮም። እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ብጸጋታት ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣውራሲ ክጥቀም እዩ ዝግበኦ፡ ነዚ ጸጋታትዚ ምስትንዓቕን ምንእኣስ ንህልዊ ዕማሙ ኣብ ምፍጻም ከዕንቅፎ ስለ ዝኽእል። ህልዊ ሓላፍነቱ እንተተሰናኺሉ ድማ ንቀጻሊ ትውልዲ ዘውርሶ ንኡድ ውርሻ ኣይክህልዎን እዩ።
ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ኣይከውንን እዩ። ናይ ኣበው ናይ ቀዳምነታት ምስራዕ ኣድላይነት ኣድላይነት ኣበሃህላ እዩ። ግድን ሓደ ዕማም ጥራይ ሒዝካ ኣጠርሚምካ ይከየድ’ኳ ተዘይበልና፡ ቀዳምነትካ ምንጻር ግና ናይ ግድነት ኣዳላይ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ መንእሰያትና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን በቲ ሓደ ገጽ፡ ጉዳይ ውልቅኻ ድማ በቲ ካልእ ወገን ክልቲኦም ኣጨነቕቲ እዮም። ካብ ክልቲኦም ነየንኦም ቀዳምነት ሂብካ፡ ካብቲ ጉልበትካ፡ ካብቲ ግዜኻ፡ ኮታ ካብ ኩሉ ጸጋታትካ ዝያዳ ተወፍየሉ ተባዕ ውሳነ ዘድልዮ እዩ። እዚ ብስምዒት ዝውሰን ዘይኮነስ መጽናዕትን ኣርሒቕካ ምጥማትን ዘድልዮ እዩ። እዚ ዕማማት ኣብ ነንሕድሕዱ ሕያል ምጽልላው ኣለዎ። ኣየንኡ እዩ ሓያል ጸላዊ ምርኣይ ከዓ የገድስ። ህዝብን ሃገርን እንተ ኣልዮምን ተርህይዎምን፡ እቲ ውልቃዊ ጉዳይ ኣውን ምስኡ ክርሃዉ ናይ ግድን እዩ። ውልቃዊ ጉዳይ ምፍታሑ ግና ህልውና ህዝብን ሃገርን ኣየውሕስን እዩ። ካብዚ እንተነቒልና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ውልቃዊ ጉዳይ ዝስራዕ’ዩ። ስለዚ መንእሰይና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከቐድም ትውልዳዊ ሓላፍነት ኣለዎ። መንእሰይ ክብሮም "ናይ ጽባሕ ዘይኰናስ፡ ናይ ሎሚ፣ ናይ ሕጂ ተረከብቲ ሕድሪ ክንከውን ኣለና" ዝበሎ ከዓ ካብዚ ኣስተብህሎ ብምንቃል እዩ።
11 መስከረም 2015
فلنتمسك بوحدتنا بقوة
Wednesday, 09 September 2015 21:31 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتري( لنحافظ علي وحدة ارتريا أرضاً وشعباً ) شعار نبيل لطالما ظل يرفعه ويتمسك به كل الارتريين الشرفاء، وبما أنه شعار مألوف وواضح المقصد فلم ولن يخضع للجدل، لذلك نقول في إيجاز إن الوحدة سر انتصارنا علي كل المستعمرين وتجاوزنا لكل التحديات حتى أنجزنا كل ما كان يبدو عصياً علي الإنجاز الى أن توَّجنا إنجازاتنا بنيل استقلالنا وَرَدِّ كرامتنا الإنسانية والوطنية التي كانت مستلبة، وعموماً نتمسك بالوحدة لأن المبدأ الانساني والعلمي القائل بأن ( الوحدة قوة ) يشملنا كما يشمل الكون كله.
الوحدة الوطنية ليست ضد التعدد والتنوع بل هي الحمى والحضن الآمن الذي يحرس التنوع من أي افتئات أو تجاوز علي مظاهر التنوع من تعدد في الأعراق، الأديان، الثقافات، اللغات ...الخ. لذلك من حق الأفراد أن يعتنقوا ما يشاءون من الأفكار والمعتقدات، أفراداً كانوا أو مجتمعات، علي أن ذلك سوف لن يمنعهم من التحلـُّــق حول مائدة الشأن الوطني والاستظلال بمظلة الوحدة الوطنية، لذلك فإن الوحدة هي الملجأ الآمن من تشظـِّـي مكونات ومكنونات التنوع، الوحدة لا تدوس علي حقوق وحريات التنوع بل تنظمها بترتيب الأولويات. إن الكبت باسم الوحدة من جهة وتقديم المصلحة الذاتية علي الوطنية باسم الحقوق من جهة، كلاهما أمرٌ منبوذ.
الحفاظ علي الوحدة الوطنية كان ديدن القوى الوطنية قبل وبعد إعلان الكفاح التحرري المسلح. أعداء الوطن المتربصون به دوماً يوجهون أسلحتهم نحو وحدته لأنها العمود الفقري الصلب الذي يحفظ تماسك الجسد الوطني، وبما أن الوحدة هي روح الوطن وقلبه النابض وأن موتها يعني موت الوطن فقد حافظ عليها شعبنا بأغلى ما يمكن من التضحيات، وليس من المبالغة أن نضال الشعب الارتري في كل مراحله كان نضالاً من أجل الوحدة، وسيظل ذلك ديدن الشعب الارتري ونضاله، ذلك أن النضال من أجل الوحدة أو الحفاظ عليها هو أمرٌ دائم السيرورة لا يعرف التوقف، السبب في ذلك أن أعداء الوحدة هم بدورهم لا ينقطعون عن عملهم الدائم في هدم وإضعاف الوحدة بمختلف الوسائل وتحت مختلف الأشكال والألوان، وعندما تطل النعرات دون الوطنية برأسها لتعتلي المسرح بديلاً عن المشاعر الوطنية لابد من التدخل لإرجاع تلك الأحاسيس دون الوطنية الي مواضعها الطبيعية غير الضارة بوحدة الوطن.
حماية الوحدة لا تقتصر بالضرورة علي حمايتها من العدوان الخارجي بل يجب حمايتها بنفس القدر من الداخل أيضاً بالتماسك والترابط الداخلي. فكلما كان ترابط الداخل متيناً كلما كان عصياً علي مؤامرات وهجمات الخارج، وبما أننا نحن المستفيدون من وحدتنا فحمايتها بترتيب الأولويات بين القضايا العامة والخاصة هي أيضاً مهمتنا نحن. وما يحافظ علي التضامن الداخلي هو الحيلولة دون أن يكون مفهوم الوحدة مجرد تغـوُّل وتحكـُّــم فئة علي حقوق الفئات الأخرى. وكما أن الوحدة ضرورة فحمايتها أيضاً ضرورة كبرى، والشواهد علي ذلك لا تقتصر علي أيام الأربعينيات والستينيات، بل لدينا من واقع اليوم ما يكفي من الشواهد علي ذلك. إن ما يجعلنا اليوم متفقين نظرياً ومختلفين عملياً علي تنفيذ ما اتفقنا عليه نظرياً هو عدم إدراكنا لقيمة قوة الوحدة وشراسة الدفاع عن عرينها.
قضية وحدة الوطن مسئولية جميع المواطنين وأولويتهم القصوى، إن الوحدة التي تتقوَّى بجهد الجميع تـُـعـْــلـِـي هامات الجميع فخراً وسؤدداً. إن الوحدة ليست غرضاً ثانوياً تنظر اليه باستسهال وتخطو نحوه بكسل بل هي مسيرة جادة وشاقة تطلب منك مواصلتها بجدٍّ وصبرٍ علي مشقتها. إن طريق الحفاظ علي الوحدة لا يعرف التراخي والرجوع من منتصف الطريق واتخاذ طريق فرعي أو بديل أقل تكلفةً ومشقة. ولأن الوطن ملك الجميع فوحدته أيضاً يجب أن تكون مرآةً تعكس وجوه جميع أبنائه وتلبي رغباتهم. قد لا يستبعد أن يشهد مسرح الوحدة علي قوته بعض الصراعات والخلافات، لكن لابد من وضع الحد للأسباب التي تشعل نار تلك الخلافات أو تصب عليها مزيداً من الزيت، علي أن لا تؤدي تلك المعالجات بدورها الي مزيد من زعزعة عمود الوحدة الذي يستظل به الجميع، وهذا كله من الضرورات الحتمية لأنه في خلاصته يعني الوجود نفسه، أي البقاء قيد الوجود للبلاد وأهلها.
في الوقت الراهن بدأت تظهر من حين لآخر ظواهر تململ من عملية الوحدة لتبرير وتسويغ بعض النزعات دون الوطنية التي ضاقت ذرعاً بالوحدة فآثرت أن تضع الشعب الارتري في قوالب تقسمه الي مسلمين ومسيحيين، مرتفعات ومنخفضات وغير ذلك، وحجتها في ذلك أن هذا الشعب عجز أن يتعايش موحداً وفشل في حماية وحراسة وحدته، إذاً فلنقر الخلاف ونتعامل معه علناً، أو هكذا يقولون. مثل هذه الأحاسيس قد تكون وليدة الإحباط من الشعارات التي رفعت تنادي بأن اختلاف الرؤى يجب أن لا يعيق مبدأ الحفاظ علي وحدة بلادنا ولا سيرنا نحو التغيير، ومن الطبيعي أن يسبب فشل رافعي تلك الشعارات في تطبيقها خيبة أمل وصدمة لمن كانوا يعولون عليه فخابت آمالهم وصدموا في أحلامهم. صحيح أن الأحوال النضالية والأجواء السياسية السائدة اليوم قد تكون دافعةً الي الضيق والتبرم واتخاذ القرارات اليائسة. وإذا كنت قد قررت العمل علي تحقيق الأمن والاستقرار ثم سلكت طريقاً معاكساً لا يؤدي إلا الي الضيق والتهلكة فإنك لا شك تعبــِّــد الطريق لأعداء وحدة البلاد وترتكب من الأفعال ما يسرُّهم. إن قتل الوقت بلا طائل واللا مبالاة تجاه وطن وشعب يعيشان أسوأ الظروف أمر بالطبع يسر العدو ويحزن الصديق ولكن يجب أن تكون لدينا ولدى كل الوطنيين الشرفاء القناعة الراسخة بأن وحدة ارتريا ستصمد وتبقى وستهزم كل ما ينسجه إسياس أفورقي وآخرون من محاولات إضعافها عبر مختلف الوسائل والتكتيكات الخفية والظاهرة.
ستبقى وحدة بلادنا الضمان لكل انتصاراتنا
“ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ይተዓቀብ” ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ረዚን ጭረሖ እዩ። ስለምታይ እዚ ጭረሖ’ዚ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ቦታ ከም ዝሕዝ፡ በቲ ሓደ ወገን ንኹሉ ብሩህ እዩ ኢልና ስለ እንኣምን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝርዝሩ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ እምብዛ ዓሚቒ ዝርዝር ኣይክንኣቱን ኢና። ብሓጺሩ ግና ሓድነት ሃገር ብፍላይ ንዓና ኤርትራውያን፡ ኩሉ መግዛእታዊ ውዲታትን ተጻብኦታትን ፈንጢስና፡ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢልና ነጻነትና ከነረጋግጽ ዘኽኣለና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ዋሕስ ህልውናናን ቀጻልነትናን እዩ። እዚ ኣባና ዝድረት ዘይኮነስ “ሓድነት ሓይሊ’ዩ” ብዝልብ ኣበሃህላ ኣድማሳዊ ክብደት ዘለዎ እዩ።
ሃገራዊ ሓድነት ኣንጻር ብዙሕነት ዘይኮነስ ናይቲ ዝሓቖፎ፡ ብሃይማኖት፡ ብቋንቋ፡ ብባህሊ፡ ቦታዊ ኣሰፋፍራ … ወዘተ ዝግለጽ ብዙሕነት መሰልን ናጽነት ከይገሃሰ ናይ ሓባር ዋልታን ድርዕን ኮይኑ ዝሓቁፍ ናይ ሓባር ዓንዲ እዩ። ተትእምኖ እምነት ትስዕብ’ሞ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ትዋሳእ። ኣብቲ ካልእ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት እውን ከምኡ፡ ሓድነት ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ እቲ መስርሕ ህልውናን ዕቤትን ይቕጽል። ሓድነት ኣብ ጽላሉ ናይ ዘሎ ብዙሕነት መሰላትን ነጻነታትን፡ እንዳገሃሰ ዝጸዓን ዘይኮነስ፡ መዓስን ኣየናይ ቅድሚት ይስራዕን እንዳ ኣነጸረ ኣብ ሕድሕድ እቲ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት ዘሎ ምንባብ ከመይ ይስራዕን ዝቕይስ ፍትሓዊ ዓንዲ ማእከል እዩ። ብጉልባብ ሓድነት ምጉዕጻጽን፡ ብጉዳይ መሰል ንሓድነት ሃገር ድሕሪት ምስራዕን ከዓ ክልቲኦም ርትዓውያን ኣይኮኑን።
ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝነበረ መድረኽ እውን እንተኾነ፡ እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ዝነበረን ዘሎን ሓድነት ሃገር እዩ። ኣብ ኤርትራ ሓድነት ሃገር ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ እቶም ንኤርትራ ኣዳኺሞም ህልውነኣ ከቕህሙ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ወገናት ቅድሚ ኩሉ ነቕኒቖም ከውድቕዎ ዝፈተኑ ነዚ ናይ ሓድነት ዓንዲ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ድሕሪ ሓድነቱ ህልውና ከምዘይህልዎ ስለ ዝተአንዘብ ብዓንተብኡ ምእንቲ ሓድነቱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ምእንቲ ሓድነት ነይሩን ኣሎን ተተባህለ እውን ምግናን ኣይኮነን። እዚ ሓድነት ናይ ምዕቃብ ቃልሲ ሎሚ ኮነ ጽባሕ’ውን ህያው እዩ። ቃልሲ ምእንቲ ሓድነት ቀጻሊ መስርሕ እምበር ኣብ ሓደ ምዕራፍ ወዲአዮ ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ናይዚ ቀጻልነት ቀንዲ ምኽንያት ሓድነት ዝጻብኡ ተርእዮታት፡ መልክዕ እንዳቐየሩ በብግዜኡ ስለ ዝቕልቀሉ’ዩ። ከከም ኩነታቱ፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ቋንቋ ወይ ካልእ ትሕቲ ሃገራዊ ስምዒታት ቅድሚ ሃገራዊ ዕማም ክስርዑ ኣብ ዝቀላቐልሉ ግቡእ መልክዖምን ቦታኦምን ምትሓዞም ናይ ግድን እዩ።
ምዕቃብ ሓድነት ኣንጻር ብግዳም ዝመጽእ ተጻባኢ ኣብ ዝግበር ምክልኻል ዝድረት ዘይኮነስ ኣውራ እኳደኣ ኣብ ምሽጥኻ ብዝካየድ ምትሕስሳብ እዩ ክዕኩኽ ዝግበኦ። እዚ ሓድነት ኣብ ውሽጣዊ ምትሕስሳብ እንተደኣ ተሪሩ ብናይ ግዳም ሓይሊ ክንቕነቕ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ካብ ሓድነትና እንርባሕ ንሕና ኤርትራውያን ስለ ዝኾና ኣብ ትሕቲ ሓድነት ሃገር ዘሎ ኩለመዳያዊ ብዝሑነትና ኣመሓዲርና ከነደልድሎ ዝግበኣና እውን ባዕልና ንሕና ኢና። እዚ ውጣዊ ምትሕስሳብ ዘድልየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ሓድነት ሓደ ዝጸቕጠሉ፡ እቲ ሓደ ድማ ዝጽቀጠሉ ከም ዘይከውን ጌርካ ኣደልዲልካ ኣብ ምትካሉ ምእንቲ ክኽእል እዩ። ሓድነት ክንድቲ ወሳኒ ኣድላይነቱ፡ ምዕቃቡ’ውን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ናብ ናይ 40ታትን 60ታትን ታሪኽና ከይከድና እዚ ሎሚ ንነብረሉ ዘለና ኩነታት እውን መስካሪ እዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ብክለሳሓሳብ እንዳተረዳዳእና ብተግባር ግና ብሓባር ክንሰርሕ ምኽኣል ስኢናሉ ዘለና ኩነታት፡ ሓድነት ኣብ ድልዱል ባይታ ተኺልካ ምዕቃብ ክቡር ዋጋ ከም ዘኽፍል ዘመልክት’ዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን።
ሕቶ ሓድነት ሃገር ናይ ኩሎም ደቂ ሃገር ዋኒንን ሕላፍነትን እዩ። ብናይ ኩሎም ጻዕሪ ደልዲሉ፡ ናይ ኩላቶም ክብርን መሰልን ዝሕይል ምዃኑ ከዓ ንጹር እዩ። በቲ ዝደለኻዮ መንገድን ኣብቲ ዝተጸበኻዮ ግዜን ተዘይተረጋገጸልካ እውን ኣንጸርጺርካን ተስፋ ከይቆረጽካን ትገድፎን ካልእ ኣቋራጭ መንግዲ ትመርጸሉን ዘይኮነስ፡ ስንኻ ነኺስካ እትቕጽሎ እዩ። እዚ ማለት ካብዚ መስርሕ ምዕቃብ ሓድነት ወጺእካ ናትካ ውሱን ድሌት ቅድሚት ብምስራዕ ዝትካእ ኣይኮነን። ሃገር ናይ ኩሉ ወዲ ሃገር ስለ ዝኾነት ሓድነታ ከዓ ናይ ኩሎም ደቃ ባህጊ ዘንጸባርቕ ክኸውን ግድን እዩ። ኣብ ትሕቲ እዚ ድልዱል ዓንዲ ሓድነት ዝፍጠሩ ምስሕሓባትን ዘይምቅዳዋትን ክህልዉ ባህርያዊ እዩ። እዞም ዘበላልሑ ምስሕሓባት ክፍትሑን ክውገኑን ድማ ናይ ግድን እዩ። ክፍትሑ እንከለዉ ግና ነቲ ኩሎም ተዓቚበምሉ ዘለዉ ጽላል ሓድነት ብዘየነቓንቕ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ናይ ግድን ዝኸውን ናይ ህልውና ጉዳይ እውን ስለ ዝኸውን እዩ።
ኣብዚ ሎሚ ግዜ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ “ተረዳዲእና ሓድነት ሃገርና ዓቂብና ክንከይድ ስለ ዘይከኣልና፡ መመንገድና ሒዝና ኣስላምን ክርስትያንን ድዩ ከበሳን መታሕትን እንዳተበሃሃልና ንኺድ” ዝቓንኡ ዝመስል ስምዒታት ዝቀላቐል ዘሎ ይመስል። ምናልባት ነዚ ስምዒታት ዝፈጠሮ ኣብቲ “ፍልልያትና ኣመሓዲርና፡ ሓድነት ሃገርናን ህዝብናን ዓቂብና ናብ ለውጥን ህንጸት ሃገርን ንኺድ” ዝብል ንቕሎ ስሉጥ ውጽኢት ዘይምርካብ ክኸውን ይኽእል። ብርግጽ እዚ ንነብሮ ዘለና ዘይተገርሐ ህይወት ቃልሲ ዘየንጸርጽር ኣይኮነን። ግና ድማ ራህዋን ቅሳነትን ከተምጽእ ወፊርካስ ዝገደድ ሕማቕ ዘስዕብ ናይ እንጽርጽሮት መንግዲ ምምራጽ፡ መፍቶ እቶም ካብ ምድኻም ሓድነት ሃገርና ክርብሑ ጭልም ዝብሉ ኣካላት ምዃን ምዃኑ ፈጺምካ ንሓንቲ ካልኢት’ውን ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። ሃገርና ኣብዚ ዘስገድግድ ኩነታት እንከላ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ግዜ ንበልዕ ምህላውና’ኳ ዘየሕጉስ እንተኾነ፡ ሓድነት አርትራ ጸኒዑ ከም ዝትከልን ጉጅለ ኢሳይያስን ካልኦት ንሓድነት ሃገርና ብረቂቕ ስልቲ ክዳኽሙ ዝሃልኩ ወገናትን ከም ዝሰዓሩ ርግጸኛታት ክንከውን ይግበኣና።
ሓድነት ሃገርና ዋሕስ ኩሉ ዓወታትና እዩ
هجرة الشباب حل مؤقت وليست حلاً جذرياً ودائماً
Monday, 07 September 2015 08:42 Written by هجرة الشباب حل مؤقت وليست حلاً جذرياً ودائماًتتصف ارتريا اليوم من بين دول العالم بمظاهر فريدة، وليس من بين تلك الظواهر ما هو ذو علاقة بالرخاء والاستقرار إن لم يكن العكس. التجنيد الإجباري، غياب الديمقراطية وسائر الحقوق والحريات الأساسية، الاعتقال، غياب العدل والحكم العادل، نزيف هجرة الشباب الذي يتدفق بغزارة، تلك هي أبرز ما يميز ارتريا اليوم، إن هذه الهجرة التي شملت الذكور والإناث وسائر الفئات العمرية والمهن والأعمال تتميز الي جانب كثافتها بتزايد أعداد ضحاياها التي فاض بها البر والبحر، ليس ذلك فحسب، فالأمرُّ من تلك المأساة هو عدم قيام أصحاب المأساة ودافعي ثمنها الباهظ وهم في أغلبيتهم في طور الشباب بواجبهم المنوط بهم تجاه النضال لاستئصال أسباب هجرتهم وهلاكهم بهذه المجانية واللا مبالاة.
دور الشباب في نقل الواجبات والمسئوليات من جيل الي جيل لا يجهله أحد، ونضالنا التحرري خير شاهد علي ذلك، ونفس هذا الدور لا يزال قائماً وعظيم الأهمية في نضال اليوم، وهذا الغياب عن مسرح العمل بما توجبه تلك المسئولية ليس خطراً علي نضال اليوم فحسب، بل يضع الوطن والشعب برمته أمام مستقبل مجهول، وهذه الحقيقة المرة هي التي تدفعنا دوماً الي رفع صوتنا بضرورة إشراك ومشاركة الشباب في العملية النضالية التي تهم الجميع ونتألم كثيراً لغياب دوره. إن الشباب يعلم جيداً أن هجرته قد تريحه قليلاً من الآلام المبرحة التي عاناها وهو يؤدي الخدمة العسكرية الإجبارية أو يتعرض للاعتقال والتعذيب لكنه ليس الحل الجذري النهائي والدائم لجميع مشكلاته. ما الحل إذاً؟ إنه ببساطة إزالة هذا النظام الأرعن الذي هو سبب تلك الهجرة وما يترتب عليها من مهالك ومخاطر، فكما كان لابد لنا في ارتريا المحتلة من محاربة العدو المحتل لاستئصاله واستلام استقلالنا، لابد لنا اليوم أيضاً من محاربة عدو اليوم المتمثل في نظام الهقدف واستئصال شأفته وشأفة سياساته التي أوردتنا المهالك. إن الآثار الضارة لهذه الهجرة المكثفة لا تقتصر علي المهاجرين وما يجدونه في سبيلها من معاناة، بل يتهدد خطر آثارها الوطن برمته، والشباب بما أنه الفئة الأكثر معاناةً في معادلة الهجرة وأسبابها يقع عليه القسط الأكبر من عبء المسئولية تجاه إنقاذ الشعب والوطن من دوامة هذه المأساة.
ضعف مشاركة الشباب في نضال اليوم لا يختلف عليه اثنان، بل حتى الشباب أنفسهم يقرون بهذه الحقيقة، لكن بعث الحراك الارتري الأخير حول قارات العالم المختلفة بصيصاً من الأمل في انبعاث دورٍ جديد وحيوي للشباب، ومن أهم تلك النشاطات المبشرة ما قام به شباب اللاجئين الارتريين باثيوبيا في السادس والعشرين من يونيو 2015م بالعاصمة أديس أبابا من تظاهرة مؤيدة لمجهودات مفوضية حقوق الانسان الدولية في بحث ودراسة أوضاع حقوق الانسان في ارتريا حيث وقفت التظاهرة أمام مقرات الاتحاد الافريقي والاتحاد الاوربي وخاطبت كل الجهات المعنية بالمشكل الارتري عامة. وهذا لا شك حراك شبابي يستحق التشجيع والإشادة، وقد وجد ذلك بالفعل من الأجيال النضالية الأكبر الذين عبروا عن دهشتهم وفرحتهم معاً أنهم بخير مادام ورثتهم أثبتوا جدارتهم باستلام إرث أسلافهم، كذلك فإن الأمسية الترفيهية التي أقيمت في الاحتفال بالذكرى الرابعة والخمسين لانطلاقة الكفاح التحرري الارتري المسلح عبر إقامة ليلة ساهرة في الثلاثين من أغسطس 2015م تستحق هي الأخرى التحية والتجلة. لقد اشتملت الليلة علي معرض ناطق ومرئي لمراحل تطور الكفاح الارتري المسلح مروراً بمآسي الهجرة وسرد حكاوي معاناة الشباب الارتري المهاجر علي أيدي عصابات تجارة البشر، علماً أن ما عرض من مناظر تمثيلية تجسد تلك المأساة، مأساة الهجرة، قد برهن بدوره مباشرة أو بغير مباشرة أن الهجرة حل مؤقت وليست حلاً أبدياً ولن تكون. إذاً يجب أن تصب تلك التحركات والمبادرات الشبابية في نضال الشعب من أجل إزالة نظام الهقدف من الجذور.
الكل يعلم أن غياب ونقص مشاركة الشباب من أكبر مشكلات ونواقص التنظيمات السياسية المناضلة من أجل التغيير، وهي بالتالي من أهم شواغلها المقلقة، لذا علي الجيلين، جيل الكبار وجيل الشباب، أن يردما هوة فارق الأجيال بين الطرفين، وذلك عبر رفع نسبة مشاركة الشباب في النضال. وبصراحة هناك صراع أجيال بين الطرفين قد يطل برأسه أحياناً، لكنه صراع مقدور علي حله وليس من الصراعات المستعصية علي الحل. كذلك من الطبيعي أن لا يجد كلا الجيلين رغبته وهواه لدى الآخر وذلك قد يرجع لفارق السن ومطالبها، علي أن الهوة بين الجيلين تضيق كلما كان هناك روح استعداد لدى الطرفين لتسليم أو تسلم الأمانة القيادية والنضالية. والتعلل بالصراع والفوارق العمرية قد يستغل من قبل البعض في الهروب من المسئولية، مسئولية التسليم أو التسلم. إذاً فليعمل الكل علي تسليك طريق التفاهم بين الجيلين، وهذا بالطبع يحتم مراعاة حساسيات فوارق العمر وحسابات الفوارق الزمنية بين الطرفين، وهذا أمر مقدور عليه.
تأكيداً علي ما تقدم في عنوان وسطور هذا التعليق قام حزب الشعب الديمقراطي الارتري في مؤتمره الأخير، المؤتمر العام الثاني للحزب، قام بمناقشة تفصيلية لمشكلة غياب دور الشباب عن الساحة النضالية أكد من خلالها عل ضرورة استعداد الشباب لتسلم أمانة الشهداء والمناضلين المخضرمين وعزز ذلك باتخاذ أقوى القرارات العملية والنظرية لإنفاذ معادلة التسليم والتسلم، فهلا قام كلٌّ بدوره كما ينبغي؟؟؟!!!!
ሎሚ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እትልለየሎም ብዙሓት ተርእዮታት ኣለዉ። ኩሎም ከዓ ምስ ጸገምን መከራን እምበር ምስ ራህዋን ቅሳነትን ዝዛመድ የብሎም። ግዱድ ዕስክርና፡ ብኩራት ደሞክራስን ኩሉ መሰላትን፡ ማእሰርቲ፡ ስእነት ፍትሕን ፍትሓዊ ምምሕዳርን፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ናብ ፍልሰት ገጹ ዝምዕብል ዘሎ ስደት ቀንዲ ኤርትራ እትግለጸሎም ዘላ መለለይኣ እዮም። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ጾታ፡ ዕድመን ሞያን፡ ዘይፈሊ ዋሕዚ ናብ ስደት ብዘይካቲ ብዝሑ፡ ምስቲ ኣብ መስርሑ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂትን ተነጊሩካ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘስካሕክሕ ፍጻመታትን ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግና እቲ ኣዛራቢ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ናይዞም መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሳትፎ ኣብ ምውጋድ ናይቲ ንክስደዱ ዘገደዶም ጉሒላ ጉጅለ ክህልዎ ብዛዕባ ዝግባእ ግደን ተሳትፎን ኣዝዩ ተባራዒ መዛረቢና እዩ።
መንእሰይ ኣብ ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ዘለዎ ወሳኒ ብጽሒት ከም ሓድሽ ዝንገር ዘይኮነስ ባዕሉ ዝዛረብ ርኡይ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመረ’ሞ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ምቅብባል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወሳንነት ግደ መንእሰይ ተራእዩ እዩ። እዚ ምቅብባል ሎሚ እውን ህያው እዩ። ናይዚ ህያውነት ምቁራጽ፡ መስርሕ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነስ ህልውና ከም ህዝብን ሃገርን እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ኩሉ ግዜ ብሓያል ተሳትፎ መንእሰይ ንንየትን ንተባባዕን። ብብኩራቱ ድማ ንሻቐልን ንስከፍን። ሎሚ እዚ መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ምስዳዱ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ማእሰርትን ዘድሕን ግዚያዊ መዕገሲ ካብ ቃንዛ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ከም ዘየምጸኣሉ ይፈልጥ እዩ። እቲ ድሕሪ’ዚ ዝመጽእ “እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ደኣ እሞ እንታይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ እዩ። መልሱ ከዓ ንጹሩን ዘየዳድን “ነቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ እኩይ ሓይሊ ምእላይ” ዝብል እዩ። ከምቲ ነጻነት ኤርትራ ንክረጋገጽ ናይ ግድን መግዛእቲ ክውገድ ዝነበሮ’ሞ ዝተወገደ ማለት እዩ። ኣብ ናይዚ እዋን ጉዳይና ከዓ እቲ ጠንቂ ስደትን ኩሉ ኣበሳን ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ እዩ እሞ እቲ ፍታሕ ከዓ ውሱናት ተጣበቕቲ ጉጅለ ህግደፍ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ እንተልይ እቲ ጉጅለ ዝምረሓሉ ዘሎ ፖሊሲ ዳግማይ ከምዘይጥጥዓ ሓኺኽካ ምድርባይን ምምካኑን እዩ። ሳዕቤን ስደት ኣብቶም ኣብ ምስርሕ ስደት ኮነ ኣብ ዓዲ ስደት እዚ ዘይበሃል መከራ ዝወርዶም ዘሎ መንእሰያት፡ ህጻናትን ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ሃገር ሓደጋ ኣንጸላልዩ ዘሎ እዩ። እቲ ፍታሕ ከዓ ከምቲ ወጽዓ ንኹሉ ኤርትራዊ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣቲ ትውልዳዊ መሪሕ ግደ ናይቲ ቀንዲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
ኩልና ከም ዘይንዝገዖ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ መንእሰይ ብሓፈሻ ክንድቲ ንጽበዮ ከምዘይኮነ እቲ መንእሰይ’ውን ኣይክሕዶን’ዩ ዝብል ኣምነት ኣለና። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ኩርነዓት ዓለምን ዝረአ ዘሎ ምልዕዓላት ኤርትራውያን መንእሰያት ግና ተስፋ ዝህብ ይመስል። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእያት ስደተኛታት ኣብ 26 ሰነ 2015 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንዘብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ዘካየዶ መርመራ ንምድጋፍን፡ እቲ መስርሕ ቀጻሊ ንክኸውን ንምጽዋዕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዘካየድዎ ሰፊሕን ኣሩምን ሰልፊ ክቕጽል ዝግበኦ ኣብነታዊ ነይሩ። ኣብቶም ነባራት ተቓለስቲ’ውን “ኣንታ ወረስቲ’ባ ኣለዉና እዮም” ዝብል ተስፋ ዘሕደረ እዩ። እዞም ስደተኛ መንእሰያት መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝካር ኣብ 30 ነሃሰ 2015 ዘካየድዎ ኩለ-መዳያዊ ናይ ምዝንጋዕ መደብ እውን ካልእ “ከምዚኸ ኣሎ ድዩ?” ዘበለ መድረኽ እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መድረኽ፡ ብኪነጥበባዊ ስልቲ ተሰንዩ፡ ኤርትራዊ ሓርበኝነትን ናይ 60ታት ውዑይ ስምዒት ኤርትራውያን ኣዘካኺሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ መከራ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ጸገማትን ብውልቃዊ ጠቕሚ ዝተታለሉ ደላሎ ደቂ ሰብ ዝፍጽምዎ ገበናት ዘርኣየን እዩ ነይር። እቲ መድረኽ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ስደት ግዚያዊ’በር መሰረታዊ መፍትሒ ከም ዘይኮነ እውን ዘንጸባቕ’ዩ ነይሩ። ብርኢቶና እዚ ምብርባር ክቕጽልን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ወቒዑ ናብ ዘድሚ ውዱብ ዓቕሚ ክብርኽን ዝግበኦ እዩ።
ኣብዚ ነሰላስሎ ዘለና ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትና ካብ ዝረኣዩ ጸገማት፡ ውስኑነት ተሳትፎ መንእሰያት ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ እዩ። ኣዚ ተሳትፎ መንእሰያት ወሳኒ ስለ ዝኾነ ከዓ ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ ኩሎም በሃግቲ ለውጢ ኣካላት ክጭነቕሉ ናይ ግድን እዩ። መንእሰያት እውን ብኩራቶም ኣብ ቃልሲ ክፈጥሮ ዝኽእል ናይ ወለዶታት ሃጓፍ ተገንዚቦም ብዕቱብ ከስተብህልሉ ይግበኦም። ክሳብ ሕጂ ኣየስተብሃልሉን ንምባል ዘይኮነስ፡ ነቲ ትሕቲ ትጽቢት ዘሎ ደረጃ ተሳትፎኦም ኣብቲ ዘድሊ ብራኸ ከብጽሕዎ ይግባእ ማለትና እዩ። ብጋህዲ ንምዝራብ ኣብ መንጎ እቲ ክትካእ ዝግበኦ ነባር ተቓላሳይን እቲ ክትክእ ዝግበኦ መንእሰይ ሓይልን ምክሳስ ይርአ’ዩ። መብዛሕትኡ ካብዚ ምክሳሳት እትጽበዮን ተቐራሪብካ ክውገን ዝኽእልን እዩ። ብዝተወሰነ መልክዑ፡ እቲ ነባር ነቲ መንእሰይ፡ እቲ መንእሰይ ድማ ነቲ ነባር ከምቲ ዝደልዮ ዘይክኾነሉ ይኽእል እዩ። ከተረክብን ክትርከብን ድልውነት እንተልዩ ግና እዚ ፍልልያት ከመሓደር ዘይከኣል ኣይኮነን። ነቲ ናይ ግዜ ስግግር ዝፈጥሮ ፍልልይ ከም ከይተረክብ ወይ ክይትርከብ ከም መህደሚ ክትጥቀመሉ ተደሊኻ ግና ከይተፈትሓ ኣብ ዕንክሊል ከንብረካ ይኽእል እዩ። እቲ መስርሕ እምበኣር በዚ ኮነ በቲ፡ ቃልሲ ዝሓትት ኩርኳሕ እምበር ሰቲ ዝተነስነሶ ልሙጽ መንገዲ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነዚ ጉዳያት ንምቅርራብ ክልቲኡ ወገናት ናይ ዝተፈላለዩ እዋናት ትውልዲ ስለ ዝኾነ ዝፍጠር ፍልልይ ከም ዘሎ ክእመን ይግበኦ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኣቐዲሙ ንግዚያውነት መፍትሒ ስደትን ዕዙዝ ግደ መንእሰይን ብዝምልከት፡ ካብ ዘለዎ ተረድኦን ሓልዮትን ነቒሉ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ንመንእሰያት ብዝምለት ኣብ ዘስፈሮ ውሳነ “ሰድህኤ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታቱ ምዃኑ የረጋግጽ።” ዝብል ሓላፍነታዊ ሓሳብ ይርከቦ። እዚ ኣበሃህላ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብዚ ሰልፊ ክጽንበሩ ዝዕድምን ዘተባብዕን ጥራይ ዘይኮነ፡ መንእሰይ ትውልዳውን ታሪኻውን ሓላፍነቱ ክርከብ ዝጠልብ ረዚን መልእኽቲ’ዩ። እቲ ግብራዊ መልሲ ከዓ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዓድን ኣብ ስደትን ዘሎ እዩ።
3 ነሓሰ 2015
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
“ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መዓስ ጀሚሩ?” ኢልካ ምስ ሓተትካ፡ ዝወሃብ መልስታት ከከም መላሲኡ በብዓይነቱ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ገላጺ ዝኸውን መልሲ “ህዝቢ ኤርትራ ደኣ መዓስከ ካብ ቃልሲ በዂሩ” ዝብል ኮይኑ ንረኽቦ። ህዝቢ ኤርትራ ዝተመንዘዖ ነጻነትን ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን ንምምላስ ክቃለስ ግድን ምዃኑ’ኳ እንተኣመነ፡ “እቲ ቃልሲ ናይ ግድን ደም ዘፋስስ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ትምክሕቲ ኣይነበሮን። ምእንቲ እዚ ቅድም ዘይጐነጻዊ፡ ሰላማውን ደሞክራሲያውን ቃልሲ ኣካይዱ። ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻው እውን ምእንቲ ነጻነትን ርትዓዊ ፍታሕን መጒቱ። እንተኾነ ዓለምና ናይ ሓያል ስለ ዝነበረትን ዘላን እቲ ፍታሕ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ እስትራተጅያዊ ረብሓ ሓያላትን ድሌት ገዛእትን ብዘቐደመ ኣገባብ ተደምዲሙ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ኮይኑ፡ “ቃልሰይ ምእንቲ ነጻነትን መሰረታዊ መሰላትን ዋላ ደም ብዘፋስስዶ ክቕጽል፡ ወይስ ንዘይፍትሓዊ ውሳነ ርዒመ ከጽቅጥ?” ኢሉ ክሓትት ተገደደ። ንመግዛእትን ዘይፍትሓዊ ውሳነን ርዒሙ ተንበርኪኹ ክነብር ባህርያዊ ስለ ዘይነበረ ከዓ መሪጽዎ ዘይኮነስ ተገዲዱ ቅድሚ 54 ዓመታት ብ1961 ብረት ኣልዒሉ።
ዕላማን ኣነቓቕላን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕ ዘዛርብ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ዝንእድዎ ብዙሓት እዮም። ዝነቕፍዎ’ውን ከምኡ። ዘይሩዘይሩ ግና ዕላማ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ ብፍትሕን ማዕርነትን እትምራሕ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ምንባሩ ዘማትእ ኣይነበረን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ብኹሉ መምዘንታት ዘይመጣጠኑ ሓይልታት ዝተኻየደን፡ ብዙሓት ነቲ ቃልሲ ብዓይኒ ክሳዳዊ ረብሓኦም ዝርእይዎ ናይ ግዳም ሓይልታት ኢዶም ዘእተውሉ’ዩ ነይሩ። ክብደትን ስፍሓትን ናይቲ ኣብቲ መስርሕ ዝወረደ ብርሰትን ዝተኸፍለ መስዋእትነትን ዝወሰዶ ግዜን ከዓ ናይዚ መርኣያ እዩ። እቲ ዋጋ ቃልሲ ክሳብ ክንድዚ ንክኸብድ፡ ናይቲ ቃልሲ ድኽመትን ብሓባር ዘይምስራሕን እውን ናቱ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ህዝብና ግና “ቃልስና መሪር’ዩ፡ ዓወትና ከዓ ናይ ግድን’ዩ” ዝብል ሓርበኛዊ ጭረሖ ኣምሪሑ ክምህ ከይበለ ተቓሊሱ። ነቲ መሪር ጽዋዕ መስዋእትነት ብዙሕ ግዜ ጨሊጥዎ። ነቲ ዓወትና ናይ ግድን’ዩ ዝበሎ እውን ብዝተወሰነ መልክዑ ኣዕቊብዎ። ነቲ ዘይተመለአ ክፋል ቃልሲ ንምምላእ ከዓ እነሆ ቃልሱ ኣንጻር’ቲ ንዓወቱ ዝጨወየ ጉጅለ ህግደፍ ቀጺልዎስ ኣብ መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ በጺሑ። ካብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ዓመታት፡ እቲ ዝተወሰነ ዘይንጠዓሰሉ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ድኽመትና ብዘይፋይዳ ዝሓለፈን እንሓዝነሉን ግዜ ከም ዘባኸና ግና ክንእመን ይግበኣና። እዚ ማለት ግና ሕጂ’ውን ኣብ ዝባኸነ ግዜ ከነስተንትን ዘይኮነስ “ድሕሪ 54 ዓመታት ኣብ ቃልሲኸ?” ኢልና ክንሓትትን ንቕድሚት ከነማዕዱን እዩ ዝግበኣና።
ነቶም ክቡር ህይወት ከፊሎም፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣዕዊትና፡ ናብ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ከነቋምት ዘኽኣሉና ሰማእታት ዘለና ክብሪ ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከዓ ወርትግ “ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ” ኢልና እንጭርሕ። እንተኾነ “ንኽብሪ ሰማእታትና ብጭረሖ ጥራይ ዲና እንገልጾ?” ኢልና ነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ምሕታት ጥራይ ኣይኮነን እቲ መልሲ እውን ኣብ ኢድና ከም ዘሎ ከይዘንጋዕና ክንምልሶ ንግደድ ኢና። ንሰማእታትና ዘለና ኣኽብሮት እንገልጾ ጀሚሮሞ ከይመልእዎ ንዝሓለፉ፡ ምርግጋጽ ሰላማዊት፡ ፍትሓዊት፡ ደሞክራሲያዊትን ምዕብልትን ኤርትራ ከነውሕስ እንተ ኽኢልና ጥራይ እዩ። ዘተኣማምን ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽ ኣብ ሓደ ትውልዲ ዘይውዳእን ኣብ መስርሕ ምቅብባል ዝምዕብል ኮይኑ፡ ንሕና ኣብታ ናትና መድረኽ “እንታይ ኢና ንገብር ዘለና? ንቀጻሊ ትውልዲኸ እንታይ ኢና ከነውርሶ?” ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን እዩ። መልስና ብብዙሕ ውሽጣውን ግዳማውን ምኽንያታት ኣበርክቶና ትሕቲ ትጽቢትናን ትጽቢት ህዝብናን እዩ ዝብል ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እስኪ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክንደይ ተኸታታሊ ዓመታት ኣብ ሓደ ዓይነት ፌርማታ ኮይና ክንቅበላን ከነፋንዋን ከም ዝጸናሕናን ዘለናን ንዘክር። እቲ ምስኡ ክንስጉም ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ገዲፉና ይኸይድ፡ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ድማ ብኽንድኡ እንዳሳዕረረ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣሉ እንብሎ ኣይኮነን።
ዝተባህለ ክንደግም እምበር እነምጸኦ ሓድሽ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ገለ ክንብል ናይ ግድን እዩ። ኩሉ እቲ እንብሎ ግና ናይ ጭንቂ፡ መከራ፡ ክቱር ወጽዓ፡ ሓደጋ ብርሰትን እምበር ናይ ራህዋን ቅሳነትን ምልክትን ዛንታን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣቲ ዋላ ጉጅለ ህግደፍ ክኽውሎ ተደለየ ባዕሉ ዝዛረብ ኩነታት ኤርትራ ከምኡ ስለ ዝኾነ። ጉጅለ ህግደፍ ምናልባት ነቲ ክዛረብ ዝግበኦ ህዝቢ ክዓብስ ይፍትን ይኸውን። ነቲ ዝረአ ዝዝረበሉ ኩነታት ኤርትራ ግና ክሓብኦ ኣይከኣለን። ሎሚ ህዝብዚ ኤርትራ ኩሉ ነገራት ገሪብዎ ይጣራዕ እዩ ዘሎ። ይሓይሽ እዩ ብዝበሎ መንግዲ ናይ “ርድኡኒ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉልና እዩ። ንሕና ግና ኣብ ድሕሪ ሃገርን ህዝብን ክስርዑ ዝግበኦም ቀዳምነት ብዘይወሃቦም ናይ ጽባሕ ዕማማት ክንሰሓሓብ “ኣለናልካ” ክንብሎ ኣይበቓዕናን። ህዝብና ከም መግለጺ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ብፍላይ እቲ ተካኢ መንእሰይ ሓደገኛ ዘይውሑስ ምርጫታት ይወስድ ኣሎ። እዚ ምርጫ ኣብ ልዕሊ እቲ መራጺኡ መንእሰይ ወለዶ ዘውርዶ ዘሎ ሓደጋታት ንዕዘቦ ኣለና። ናይዚ ጉዳይ ሳዕቤን ኣብ ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ተጽዕኖኡ ሓደገኛ ምዃኑ’ውን ምልክታት ንርኢ ኣለና። በዚ ዘለናዮ እንተቐጺልና ህዝብና ኣፉ መኢኡ “ካብ ተዋጋኢት ላም ዘየድሕኑ” ክብለና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ ፍታሕ ናይ ምርካብ ኣርዑ ኣብ ክሳድና ምህላዉ’ውን ንዘክር።
ሕጂ እውን ኣቲ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ዕድል ኣይተዓጽወን እሞ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ኮይንና ብውልቂ ኮነ ብእኩብ ንሕሰብ። ንመጻኢ ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብዛ ዘለናያ ናይ ደውታ ፌርማታ ኮይና ከይንጽበያ ንጠንቀቕ። ካብ ህልኽን ናብ ዓዲ ደሓን ዘይወስድ ኒሕን ክንወጽእ ይግበኣና። ሎሚ ከምዚ ኣየ ዝኣምን፡ ከምዚ’ባ ይደሊ” እንዳበልካ ምእዋጅ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ። እቲ ዝድለ ዘሎ “ከምዚ እየ ዝገብር” ዝብል ናይ ተግባር ድልውነት ምርኣይ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ሻቕሎት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ሓደ ካብ ውሳነታቱ “ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሓ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። እዚ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ኩልና ንተኣከብ ድልውነት፡ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ክኸውን ከዓ ሰልፍና ትስፍው እዩ።
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!
30 ነሃሰ 2015
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ሰባት ሕማቕ ፖለቲካዊ ኩነታት እንተጋጢምዎም፡ ንምውጋዱ ክቃለሱ ባህርያዊ እዩ። እዚ ባህርያዊ ሓቂ እዚ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተራእዩ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን’ኳ ኣብ ከምዚ መስርሕ ናትና ኣብነት ኣለና። ስለምንታይ ኣንጻር ወጽዓ ናይ ምቅላስ ናይ ዝያዳ ሚእቲ ዓመት ተመኩሮ ስለ ዘለና። እቲ ራህዋን ቅሳነትን ንምምጻእ እትቃለሶ ናይ ግዳም ወራሪ ወይ ውሽጥዊ ወጽዓ ክኸውን ይኽእል። ንሕና ከዓ ኣንጻር እዞም ክልተ ወጽዕታት ተቓሊስናን ንቃለስ ኣለናን። ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ነጻነትና ዘዕቆብና ሓርነትና ከም እነዕቁብ ከዓ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ኣንጻር ግዳማዊ ወራሪ ይኹን ኣንጻር ውሽጣዊ ወጻዒ ልሙጽ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ጉዕዞ ናብ ዓወት ብቓልሲ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ምዕራፋት ዘለዎ ጸዋግን ኩርኳሕን ነይሩ ሕጂ እውን ከምኡ ኣሎ። ከምኡ እንተዘይከውን ከዓ “ቃልሲ” ዝብል መጺጽ ስም ኣምበይተዋህቦን። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ጸገም ተወግድ፡ ካልእ ጸገም ድማ ግዜኡ ሓልዩ ይመጽእ እሞ ንዓኡ’ውን ትፈትሖ። እቲ መስርሕ ከዓ ክሳብ ዓወት ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። እቲ ዝምዝገም ዓወት እውን መልክዑ ደኣ ይቕየር እምበር ካብ ቃልሲ ዓዲ ዘየውዕል ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ’ዩ።
ጉዕዞ ቃልሲ ኣጠርሚምካ ዝኽየድ ጣማጣማ ዘይኮነስ፡ ርግእ ኢልካ ዝሓለፈ ትግምግመሉን፡ “ኣብ መጻኢኸ እንታይ ይገበር?” ኢልካ ነብስኻ ትሓትሓስበሎም መዝለሊ ቦታታት እውን ኣለዉዎ። ኣብ ከምዚ መስርሕ ጉባአ ናቱ ዓብይ እጃም ኣለዎ። ከምዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ። ጉባአ ብባህሪኡ ዝሓለፈ ገምጊምካ መጻኢ ዕማም እተማዕድወሉ መድረኽ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ገምጋም ከተጽፍፍን መጻኢ ኣገደስቲ ዕማማት ከተዕውትን፡ ከምቲ ናብ ጠስሚ ክትበጽሕ እቲ ርግኦ ክሕቆን ግድን ዝኸውን፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክሳብ ዝጻዕዩ ክሕቆኑ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ሓሳብ ናይ ምሕቋን በቶም ናይ ሓሳባት መመንጨውቲ ካላት ናይ “ናተይ ይሓይሽ፡ የለን ናተይባ ይበልጽ” ምፍሕፋሕ ክህልው ልሙድ እዩ። እዚ ካብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝመጽእ ናይ ሓሳባት ምፍሕፋሕ ናይቲ እዚ ተግባር ዝፍጸመሉ ሰልፊ ወይ ውድብ ጥዕና እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ብገርሂ ድዩ ብጉርሒ ዝብልዎ ናይ ባእስን ፍልልይን መርኣያ ኣይኮነን። ናይ ሕሳብ ፍልልይን ምፍሕፋሕን ዘየብሉ ፖለቲካዊ መስርሕ መንገዲ ደሓን ከም ዘይኮነ ንምግላጽ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዘንበብኩዎ “ሓንቲሓሳብጥራሕዘስምዕሰብወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ከምእቲሓንቲዓይነትመግቢጥራሕዝምገብሰብኣካላቱእናመንመነዝኸይድ እሞ፣መወዳእትኡ ንሕማምን ስንክልናን ዝቃላዕ’ዩ ዝቑጸር” ዝብል ሓሳብ ኣብዚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ቁምነገር እቲ ከካብ ኩርናዑ ክምጩ ዝጸንሐ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ መወዳእታ ተኣውሊሉዶ ኣይተኣውለለን ዝብል እዩ ዝኸውን።
“ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንኣብነት ኣብ ውሽጣዊ ሓድነቱ፡ ዝምድና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ርክብ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ናይ ሓሳብ ፍልልያት ኣንጸባሪቖዶ ኣይፋሉን?” ተባሂሉ እንተዝሕተት፡ እቲ ናይ ጥዕና መልሲ ኣየናይ እዩ። “ፍልልይ ነይሩ ደሓር ግና ብስምምዕ ተኸምቲኡ” ዝብል ወይስ “ምንም ኣይተንጸባረቐን” ዝብል። እዚ ሰልፊ ናይ ብዙሓት ውህደት እዩ። ናይ ብዙሓት ማለት ኣካላዊ ብዙሕነት ጥራይ ማለትና ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕታና ብዙሓት ሰባት መምስ ናይ ሓሳባት ብዝሕነቶም ዝተሰለፍሉ ማለትና እዩ። ብናይ ሓሳባት ብዙሕነት ዘይስነ ኣካላዊ ብዙሕነት ግና ማዕባሊ ከይዲ ዘየብሉ ናይ ግኡዛን ብዙሕነት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚ ዳሕረዋይ ዘይማዕባሊ ብዙሕነት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኮነ ናይ ካልእ ፖለቲካዊ ምትእኽካብ ናይ ብዙሕነት መርኣያ ክኸውን ከዓ ባህርያዊ ኣይኮነን።
ጉባአ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ኮይኑ፡ ናይ ዝተወሰኑ ባእታታት ግደን ድምጽን ዝያዳ ጐሊሑ ዝረኣየሉ ተኾነ እውን ዘሰንብድ ኣይኮነን። ከምቲ ገለ ወሃብቲ ርኢቶ ዝብልዎ፡ እዞም ባእታታት ኣብ ገሊኡ ዛዕባ እንዳተሰማምዑን እንዳተነኣኣዱን፡ ኣብ ገሊኡ ዛዕባ ድማ እንዳተፈላለዩን እንዳተነቓቐፉን ኣብ መዛዘሚ ግና ናብ ሓደ መዕለቢ እንዳመጹ ዘሰላስልዎ መስርሕ ነይሩ ተተባለስ እንታይ እዩ ኣበሩ። ንኣብነት ኣብ ተመኩሮ ሰደህኤ፡ ወልደየሱስ ዓማር፡ መስፍን ሓጐስ፡ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ ተስፋይ ደጊጋ ወይ ሓምድ ድራር፡ኣየናይ እዩ ንሰልፍና ናብ ዝሓሸ መንገዲ ዝወስድ መንገዲ? ካብ ዝብል፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ኣንቂዶም ፍልልያት እንተዘንጸባርቑ እሞ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መደምደምታ እንተመጹስ፡ ከመይ ጌርካ እዩ ከም ናይ ስግእኣትን ቀራና መንገድን ምልክት ዝውሰድ። በዚ መስርሕ ምጉዓዝከ ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላው ድዩ፡ ወይስ መንግዱ ኣነጺሩ ኣብ ስሩዕ ግና ብዙሕ ቃልሲ ዝሓትት ናይ ዓወት መንገዲ ዘሎ እዩ ክበሃል ዝግበኦ? ብእምንቶና እዚ ዘይልሙጽ፡ ግና ድማ ልሙጽ ናይ ዓወት ሜዳ ዘማዕዱ መስርሕ ቃልሲ እዩ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ በበይኖም ድሕረባይታ ዘለዎም ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብጎቦ ዓይኒ ክረኣኣዩ ዝጸነሑ፡ ካብ ናይ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም፡ ንመጻኢ ብሓባር ከማዕደዉ ዝወሰኑ ሓይልታት ውህደት እዩ። ነዚ ውህደት እዚ ኩሉ ምጥርጣራትን ምስሕሓባትን ኣወጊድካ ኣብ ዘተኣማምን ተሪር ሓድነት ምብጻሑ ነዊሕ መስርሕን ዕጉስ ተወፋይነትን ዝሓትት እምበር፡ ኣብ መስመሪ ጉባአ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ዕማም ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ብዘበርክትዎ ናይ ሕድሕድ ምቁጽጻር ዘይተፈልዮ ዝተናወሐ ቃልሲ እምበር ብውሱናት ሓለፍቲ ብኣቋራጭ ዝሳለጥ ዕማም ኣይኮነን። ሰልፍና ነዚ መስርሕ ሓድነት ክጅምሮ እንከሎ፡ ኣብ ዓወት ንምብጽሑ፡ ነዊሕ ግዜ፡ ውረድ ደይብ መስርሕን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽፈል ዋጋን ከም ዘድልዮ ብምርዳእ ስለ ዝኾነ፡ ብየማነ ጸጋም ብዝነፍስ ድኽመታት ናይ ምንብድባድ ሓሸውየ ኣይክሽበርን እዩ። እቶም ኣብ ቅድሚኦም ንዝረአ ኣውንታ “ጸጋም ዕዩይ” ገይሮም፡ ዘየለ ድኽመት ምሂዞም ናይ ምርሕሓቕ “ዕበይለይ ዕበይለይ” ክጻወቱ ዝደልዩ ወገናት “ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት” ዝብል ምስላ ከስተብህሉ ይግበኦም። ከምቲ ዝብልዎ እንተኸውን’ውን፡ ኣብ ዝኾነ ውድብ ዘጋጥም ጸገም ኣብቲ ውድብ ተደሪቱ ከይተረፈ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸገም ምዃኑ ከስተብህሉ መተገብኦም። ህዝባዊ ሓልዮት ከዓ ነታ ዝርካባ ንእሽቶይ ሓቅን ኣውንታት እንዳ ኣዕኮኽካ እምበር፡ ዘየለ ወይ እውን ኣዝዩ ንኡስ ጸገም ብምንብድባድ ኣይኮነን ዝግለጽ። በዚ ኮነ በቲ ጉዕዞና ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ቀንዲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፍና ዝውሰንን’ዩ እሞ፡ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፍና ነጽንዕ።”
23 ነሓሰ 2015
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይስልኪ ጸዓቱ ኣብ መስርሕ ለውጢ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣገደስን ኣብ መስርሕ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ መስርሕ ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ዝህልዎ ኣገዳሲ ዕማም ፈጺሙ ኣሎ። ቀዳማይ ክፋል 2ይ ጉባአኡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጎንደር ኣካይዱ። ናይዚ ናይ ጎንደር መጋባእያ ኣካል ዝኾነ ካለኣይ ክፋል ጉባአኡ ድማ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ኣብ ከተማ ቪስባደን ኣካይዱ። እዞም ክልተ ተመላላእቲ ክፋላት ጉባአ ብቦታን ግዜ’ኳ እንተተፈላለዩ ትሕዝተኦምን ቆላሕታኦምን ግና ሓደን ሓደን ምንባሮም ብናይ መወዳእታ ዕዉት ውጽኢቶም ኣመስኪሮም እዮም።
2ይ ጉባአ ሰልፍና ዝተኻየደሉ ግዜ ሓፈሻዊ ሃለዋት ሃገርናን ከባቢናን ክሳብ ክንደይ ኣሻቓልን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክምን ምንባሩን ምህላዉን ንተሳተፍቲ ጉባአ ሰልፍና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብሩህ ብምዃኑ ንምግላጹ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝግበር ናይ ናይቲ ሕሰም ምኽንያታትን ሳዕቤናቱን ዝርዝር ከነቕርብ ንግደድ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ገገዛና ዘሎ ሃለዋት ባዕሉ ዝዛረብ ስለዝዀነ ኢዩ። ጓሲኻዮ ንዘይምሕላፍ ግና፡ እዚ ጉባአ፡ ጽልኢ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ኣብ ዝመረረሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ህዝብና ንክፋእ ጉጅለ ህግደፍ ብዓሚቕ ተረዲኡ ለውጢ ንምምጻእ ዝያዳ ፋሕተርተር ኣብ ዝብለሉ፡ ብኣንጻሩ ብመንጽር እዚ ኩሉ ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ወጽዓታትን ናይ ህዝብና ናይ ራህዋ ጻዋዒትን፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ግቡእ መስርዕ ምሓዝ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ምዃኑ ጠቒስካ ምሕላፍስ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ህጹጽን ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክምን እዋን እዩ 2ይ ጉባአና ተኻይዱ።
ጉባአና፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘየቕስን ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ረዚን ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ተባራዕቲ እዋናዊ ጉዳያት፡ ብፍላይ ከዓ ኣብ ውሽጣዊ ሓያልነት ሰልፊ፡ ኣብ መሰረታውነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ’ዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ኣብ እዋናውነትን ኣገዳስነትን ምቅርራብ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ ኣገዳስነት ፍትሓውን ቀጻልን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣትኪሉ ተመያይጡ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት’ውን ወሲኑን ኣሎ። ካብዚ ሓሉፉ ጉባአ ውሳነታት ኣብ ወረቐት ምስፋር ጥራይ ዓወት ከም ዘይከውን ብምግንዛብ፡ ኣብ ርእሲ ኣገደስቲ ሰነዳት ምጽዳቕ፡ ኣብ ውጽኢት ንምብጻሕ ዘኽእሉ ንኡሳን ናይ ኣፈጻጽማን ናይ ሰፊሕ ተሳትፎን ሓበርቲ ስልትታት ሓንጺጹ ኣሎ። ንሎሚ ብመንጽር ትማልን ጽባሕን ምርኣዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምስትውዓል ከዓ ጉባአ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ጉዕዞ ሰልፊ ዳህሲሱ፡ ክእረሙ ዝግበኦምን ኣብ መጻኢ መሊሶም ክሕይሉ ዝግበኦምን ዛዕባታት ብግቡእ ኣለልዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ዝበረኸ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባረቐ ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ኣሎ።
ጉባአና ኣብ ዘካየዶ ሓላፍነታዊ ዳህሳስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዲክታቶር ኣወጊድካ ራህዋ ዝዓሰላ፡ ኩሉ ኣፉ መሊኡ “ንሳ ናተይ ኣነ ድማ ናታ” ዝብላ ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ውሱናት፡ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ጥራይ ሓላፍነት ዘይኮነስ ብቐንዱ ናይቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይልን ተጠቃምን ህዝቢ ኤርትራ ዕማም ምዃኑ ብምስትብሃል፡ ኤርትራውያን ኩሎም ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ። ፖለቲካዊ ናይ ተቓውሞ፡ ሓይልታት ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ናይ ርኢቶ ደረጃ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ከም ዘለዎ ኮይኑ ብሓባር ምስራሕ ዘይስገር ምዃኑ ጉባአና ኣቕሊብሉ’ሎ።፡ ኣብዚ ጉባአ ከም ዝተንጸባረቐ ብሓባር ምስራሕ ማለት፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ምውጋድ ወይ ተጨፍሊቕካ ሓደ ውድብ ምዃን ማለት ዘይኮነስ፡ ንፍልልያት ናይ ርእይቶ ከም መባልሕን ናይ ርኢቶ ምርጫታት መቕረቢ መድረኽን ወሲድካ፡ ኣብዚ ውድድር ንፍልልያት ኣብቲ ትሰማማዓሉ ምስራሕ ብዘይዓግት መልክዑ ምምሕዳር ማለት ምዃኑ ብንጹር ርእይዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ መዳይ ካብ ሰልፍና ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ተግባር ክዕመም ቅሩብ ምዃኑ ጉባአ ኣነጺሩ።
ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ክንስዕሮ ዘይከኣልና፡ ናይ ድኽመትና መርኣያ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣባሉ ንዘይኮንካዮ ውድብ ከተዕንቅፎ ምህቃንን፡ ናቱ ድኽመት ከም ናትካ መሕየሊ ኣምሲልካ ምውሳድን እዩ። ኣብ’ቲ ሓቂ ምስ እንመጽእ ግና፡ ኩልና “ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ለውጢ ኣለና” ካብ በልና፡ ናይቲ መመሓዝውትኻ ፖለቲካዊ ትካል፡ ጸገምን ድኽመትን ናትካ’ውን ዕዳ፡ ብእንጻሩ ዓወቱ ዓወትካ ምዃኑ ጌና ኣይተሰወጠናን። ብመንጽር እዚ ናይ ጉባአና ብዓወት ምዝዛም፡ ናይ ኩሎም ሓቀኛ ደለይቲ ለውጢ እንተላይ ኣባል ሰደህኤ ዘይኮኑ ኤርትራዊ ኣካላት ኣገዳሲ ብስራት እዩ ኢልና ንኣምን።
ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ጉባአ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ምስጢር ኣገዳስነቱ ድማ መሰረታዊ ፖሊሲታት ዝቕረጸሉን ዝለዓሉ ተግበርቲ ትካላትን ኣካላትን ዝስየምሉን ዝለዓለ ሕጋዊ መድረኽ ስለ ዝኾነ እዩ። ብመንጽር እቲ ጉባአ ዘካይድ ፖለቲካዊ ትካል ኣማዕድዩ ዝርእዮ ናይ ነዊሕ መጻኢ ሽቶ ግና፡ ምስላጥ ጉባአ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ናይ መወዳእታ ዓወት ከም ዘይኮነ ሰልፍና ብግቡእ’ዩ ዝርዳእ። እቲ ዝያዳ ዝኸበደ ውሳነታት ምሕንጻጽ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ጉባአ ዝተሓንጸጸ ናይ ምትግባር ዕማምን ሓላፍነትን ምዃኑ ከኣ ይግንዘብ። ብመንጽር እዚ እቶም ኣብ ነዊሕ ቃልስና ንሰልፍና ዘሰስኑን ጉባአ በዚ ዝተጠቐሰ ኣገባብ ንክዕወት ኩሉ ዋጋ ዝኸፈሉን ኣባላት ሰልፍና ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ዝብህጉ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን በሃግቲ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ውሳነታት ጉባአና ኣብ ምትግባር ክተግሁ ምዃኖም ብሩሁ ትጽቢት ሰልፍና እዩ። ናብዚ ጉባአና ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተላእኩልና ናይ ምሕዝነት መልእኽትታት’ውን ነዚ እዮም ዘመልክቱ።
ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩዅ!
3 ጉንበት 2015
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይስልኪ ጸዓቱ ኣብ መስርሕ ለውጢ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣገደስን ኣብ መስርሕ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ መስርሕ ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ዝህልዎ ኣገዳሲ ዕማም ፈጺሙ ኣሎ። ቀዳማይ ክፋል 2ይ ጉባአኡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጎንደር ኣካይዱ። ናይዚ ናይ ጎንደር መጋባእያ ኣካል ዝኾነ ካለኣይ ክፋል ጉባአኡ ድማ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ኣብ ከተማ ቪስባደን ኣካይዱ። እዞም ክልተ ተመላላእቲ ክፋላት ጉባአ ብቦታን ግዜ’ኳ እንተተፈላለዩ ትሕዝተኦምን ቆላሕታኦምን ግና ሓደን ሓደን ምንባሮም ብናይ መወዳእታ ዕዉት ውጽኢቶም ኣመስኪሮም እዮም።
2ይ ጉባአ ሰልፍና ዝተኻየደሉ ግዜ ሓፈሻዊ ሃለዋት ሃገርናን ከባቢናን ክሳብ ክንደይ ኣሻቓልን ረዚን ሓላፍነት ዘሰክምን ምንባሩን ምህላዉን ንተሳተፍቲ ጉባአ ሰልፍና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ብሩህ ብምዃኑ ንምግላጹ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝግበር ናይ ናይቲ ሕሰም ምኽንያታትን ሳዕቤናቱን ዝርዝር ከነቕርብ ንግደድ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ገገዛና ዘሎ ሃለዋት ባዕሉ ዝዛረብ ስለዝዀነ ኢዩ። ጓሲኻዮ ንዘይምሕላፍ ግና፡ እዚ ጉባአ፡ ጽልኢ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ኣብ ዝመረረሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ህዝብና ንክፋእ ጉጅለ ህግደፍ ብዓሚቕ ተረዲኡ ለውጢ ንምምጻእ ዝያዳ ፋሕተርተር ኣብ ዝብለሉ፡ ብኣንጻሩ ብመንጽር እዚ ኩሉ ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ወጽዓታትን ናይ ህዝብና ናይ ራህዋ ጻዋዒትን፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ግቡእ መስርዕ ምሓዝ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ምዃኑ ጠቒስካ ምሕላፍስ ናይ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ህጹጽን ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክምን እዋን እዩ 2ይ ጉባአና ተኻይዱ።
ጉባአና፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘየቕስን ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ረዚን ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ብሓፈሻ ኣብ ብዙሕ ተባራዕቲ እዋናዊ ጉዳያት፡ ብፍላይ ከዓ ኣብ ውሽጣዊ ሓያልነት ሰልፊ፡ ኣብ መሰረታውነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ’ዚ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ኣብ እዋናውነትን ኣገዳስነትን ምቅርራብ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ ኣገዳስነት ፍትሓውን ቀጻልን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ኣትኪሉ ተመያይጡ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት’ውን ወሲኑን ኣሎ። ካብዚ ሓሉፉ ጉባአ ውሳነታት ኣብ ወረቐት ምስፋር ጥራይ ዓወት ከም ዘይከውን ብምግንዛብ፡ ኣብ ርእሲ ኣገደስቲ ሰነዳት ምጽዳቕ፡ ኣብ ውጽኢት ንምብጻሕ ዘኽእሉ ንኡሳን ናይ ኣፈጻጽማን ናይ ሰፊሕ ተሳትፎን ሓበርቲ ስልትታት ሓንጺጹ ኣሎ። ንሎሚ ብመንጽር ትማልን ጽባሕን ምርኣዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምስትውዓል ከዓ ጉባአ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ጉዕዞ ሰልፊ ዳህሲሱ፡ ክእረሙ ዝግበኦምን ኣብ መጻኢ መሊሶም ክሕይሉ ዝግበኦምን ዛዕባታት ብግቡእ ኣለልዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ዝበረኸ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባረቐ ማእከላይ ባይቶ መሪጹ ኣሎ።
ጉባአና ኣብ ዘካየዶ ሓላፍነታዊ ዳህሳስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዲክታቶር ኣወጊድካ ራህዋ ዝዓሰላ፡ ኩሉ ኣፉ መሊኡ “ንሳ ናተይ ኣነ ድማ ናታ” ዝብላ ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ውሱናት፡ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ጥራይ ሓላፍነት ዘይኮነስ ብቐንዱ ናይቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይልን ተጠቃምን ህዝቢ ኤርትራ ዕማም ምዃኑ ብምስትብሃል፡ ኤርትራውያን ኩሎም ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ። ፖለቲካዊ ናይ ተቓውሞ፡ ሓይልታት ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ናይ ርኢቶ ደረጃ ምቅርራብን ምርሕሓቕን ከም ዘለዎ ኮይኑ ብሓባር ምስራሕ ዘይስገር ምዃኑ ጉባአና ኣቕሊብሉ’ሎ።፡ ኣብዚ ጉባአ ከም ዝተንጸባረቐ ብሓባር ምስራሕ ማለት፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ምውጋድ ወይ ተጨፍሊቕካ ሓደ ውድብ ምዃን ማለት ዘይኮነስ፡ ንፍልልያት ናይ ርእይቶ ከም መባልሕን ናይ ርኢቶ ምርጫታት መቕረቢ መድረኽን ወሲድካ፡ ኣብዚ ውድድር ንፍልልያት ኣብቲ ትሰማማዓሉ ምስራሕ ብዘይዓግት መልክዑ ምምሕዳር ማለት ምዃኑ ብንጹር ርእይዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ መዳይ ካብ ሰልፍና ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ተግባር ክዕመም ቅሩብ ምዃኑ ጉባአ ኣነጺሩ።
ሓደ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ክንስዕሮ ዘይከኣልና፡ ናይ ድኽመትና መርኣያ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣባሉ ንዘይኮንካዮ ውድብ ከተዕንቅፎ ምህቃንን፡ ናቱ ድኽመት ከም ናትካ መሕየሊ ኣምሲልካ ምውሳድን እዩ። ኣብ’ቲ ሓቂ ምስ እንመጽእ ግና፡ ኩልና “ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ለውጢ ኣለና” ካብ በልና፡ ናይቲ መመሓዝውትኻ ፖለቲካዊ ትካል፡ ጸገምን ድኽመትን ናትካ’ውን ዕዳ፡ ብእንጻሩ ዓወቱ ዓወትካ ምዃኑ ጌና ኣይተሰወጠናን። ብመንጽር እዚ ናይ ጉባአና ብዓወት ምዝዛም፡ ናይ ኩሎም ሓቀኛ ደለይቲ ለውጢ እንተላይ ኣባል ሰደህኤ ዘይኮኑ ኤርትራዊ ኣካላት ኣገዳሲ ብስራት እዩ ኢልና ንኣምን።
ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ጉባአ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ሰልፊ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ምስጢር ኣገዳስነቱ ድማ መሰረታዊ ፖሊሲታት ዝቕረጸሉን ዝለዓሉ ተግበርቲ ትካላትን ኣካላትን ዝስየምሉን ዝለዓለ ሕጋዊ መድረኽ ስለ ዝኾነ እዩ። ብመንጽር እቲ ጉባአ ዘካይድ ፖለቲካዊ ትካል ኣማዕድዩ ዝርእዮ ናይ ነዊሕ መጻኢ ሽቶ ግና፡ ምስላጥ ጉባአ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ናይ መወዳእታ ዓወት ከም ዘይኮነ ሰልፍና ብግቡእ’ዩ ዝርዳእ። እቲ ዝያዳ ዝኸበደ ውሳነታት ምሕንጻጽ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ጉባአ ዝተሓንጸጸ ናይ ምትግባር ዕማምን ሓላፍነትን ምዃኑ ከኣ ይግንዘብ። ብመንጽር እዚ እቶም ኣብ ነዊሕ ቃልስና ንሰልፍና ዘሰስኑን ጉባአ በዚ ዝተጠቐሰ ኣገባብ ንክዕወት ኩሉ ዋጋ ዝኸፈሉን ኣባላት ሰልፍና ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ዝብህጉ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን በሃግቲ ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ኣብ መጻኢት ኤርትራ፡ ውሳነታት ጉባአና ኣብ ምትግባር ክተግሁ ምዃኖም ብሩሁ ትጽቢት ሰልፍና እዩ። ናብዚ ጉባአና ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተላእኩልና ናይ ምሕዝነት መልእኽትታት’ውን ነዚ እዮም ዘመልክቱ።
ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕወት ፍትሓዊ ቃልስና፡ ብሓድነትና ይዓኩዅ!
3 ጉንበት 2015