ኣብ ዓለምና ብዓይነቶምን ብጻዕቂ ምልከቶምን ዝፈላለዩ ብዙሓት ምልካዊ ስርዓታት ተራእዮምን እናተዘውተሩን ኢዮም። እቶም ፍሉጣት ዓይነታት ምልኪ ሓሙሽተ ኢዮም።
- ወተሃደራዊ ምልኪ፡ ካብ ወተሃደራት ዝመጹ መኮንናት ስልጣን ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ንህዝቢ መሰላቱን ረብሓታቱን መንዚዖም ብሓይሊ እናረገጹ ዝመርሕሉ እዩ።
- ሓደ-ሰልፋዊ ምልካዊ ስርዓት፡ ሓደ ሰልፊ ዝዕብልሎ ስርዓት፡ ኣብ ኩሉ ስልጣናት ናይቲ መንግስቲ ዝስኩዑን ዝሽየሙን ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ኢዮም።
- ንጉሳዊ ምልኪ፡ ብንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ተገቢቱ ዝኸይድ ስልጣን። እዚኣቶም ስልጣን፡ ምምራሕ ንዓኣቶም ጥራይ ከም ዝተዋህበ ኣሚኖምን ኣእሚኖምን ቤተሰቦም እናተተኻኽእሉ ዝኸይድ ስርዓተ-ምሕደራ ኢዩ። ንስርዓተ ምሕድራኦም ዝጻረርን ዝነቅፍን ኣብ ዝመርሕዋ ሃገር ክነብር ኣይክእልን።
- ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት (ናይ ሓደ ሰብ ምልኪ)፡ ኩሉ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ ኢዩ። ረብሓታትን ሹመታትን ብሓደ ሰብ ኢዩ ዝወሃብ። ኣባል ፓርቲ ወይ ኣባል ወተሃደራዊ ሓይሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ፓርቲ ወይ ሚሊታሪ ኣብ ምውሳን ግደ የብሉን። ንሱ ዝደልዮም ኣዕሩኽቱ፡ ኣዝማዱ ወይ ተለኣኣኽቱ ኢዩ ኣብ ኣገደስቲ መንግስታዊ ቦታታት ዘቐምጥ።
- ካብ ኩሉ ዝተዳቐለ ምልካዊ ስርዓት፡ እዚ ምልካዊ ስርዓት'ዚ ጠባያት ናይ ውልቀ-ሰብኣዊ ምልክን ሓደ-ስልፋዊ ምልክን ወተሃደራዊ ምልክን ሓዋዊሱ ወይ ኣዳቒሉ ዝኸይድ ኢዩ።
እቲ ንኹሎም ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ዘመሳስሎም፡ ንፖለቲካዊ ስልጣንን ንጠቕላላ ጉዳያትን ናይ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽፃሮም ኣእቲዮም መሰላት እናረገጹን ህዝቢ እናጨፍለቑን ዝመርሑ ስለዝኾኑ ኢዮም። መተካእታ ክመጽእ ኣይደልዩን ኢዮም። እንተተቐልቀለ ድማ ከይዓበየ የሕቅቕዎ። ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩን ዘፍቅሩን ንሳቶም ጥራይ ከምዝኾኑን፡ ንመንገዶም ዘይሰዓበ ዕድሉ ሞት ወይ ማእሰርቲ ኢዩ።
እቲ ሓፈሻዊ መግለጺ ናይ ዲክታቶርነት ነዚ ዝመስል ካብ ኮነ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣየናይ ዓይነት ኢዩ? መዓስ ኢዩኸ መጺኡ? ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ዉልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢዩ። ምኽኒያቱ ከኣ፡ ኩሉ ስልጣን ናይቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ ኢዩ ዘሎ። ሓደ ሰብ ኢዩ፡ ንሱ ድማ ኢስያስ ኣፈወርቂ ንኹሉ ረብሓታትን ፖለቲካዊ ሹመታትን ዝውስኖ።
ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኢሰያስ ይድቀቕ ይዕበ ጉዳይ ሃገር ክውስን ዝኽእል የለን። እቶም ከም ኣስማት ጥራይ ዝቖሙ ሃገራዊ ባይቶን ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ንማለቱ ውን ኣኼባ ካብ ዘይገብሩ ልዕሊ 15 ዓመታት ሓሊፍዎም ኢዩ።
ምዕራባውያን ተማጎትቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ከም "ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ" ገይሮም ክገልጽዎ ይረኣዩ ኢዮም። ንዓና ኤርትራውያን ግን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝኸፍአ ኢዩ። ሰሜን ኮርያ ናትና ዝብልዎ ትሸዓተ ግዜ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ኣለዎም። እታ ሃገር ወናኒት ናይ ኑዩኩለራዊ ዓቕሚ ኮይና ዘላ እያ። ናታ እትምረሓሉ ኣይዲዮሎጂ ሒዛ ውሽጣ ኣረጋጊኣ እትኸይድ ዘላ ኢያ።
ኤርትራ ግን ብዘይ ሕገ-መንግስትን እዚ ኢዩ ክትብሎ ዘይትኽእል ዓለመ-ርእይቶን፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ፊን ብዝበሎ እትምራሕ ዘላ ሃገር ኢያ።
ገለ ሰባት ዲታቶርነት ኢሳይያስ ካብ ግዜ ምእሳር ጉጅለ 15ን ኣዳለውቲ ናጻ ጋዜጣታትን ዝጀመረ ጌሮም ክገልጹ ይፍትኑ ኢዮም። ገለ’ውን ካብ 20 ሰነ 1991 ኣብ መዓልቲ ስዉኣት " ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን" ካብ ዝበለሉ ኢዩ ጀሚሩ ዝብሉ ኣለዉ።
እዚ ክልተ ኣጋጣሚታት'ዚ መግለጺ ናይ ዲክታቶርነቱ ምዃኑ ዘየማትእ እኳ እንተኾነ፡ ሽዑ ኢዩ ጀሚሩ ዘብል ግን ኣይኮነን።
ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ኣብ ሜዳ ከሎ፡ ካብ ቅድም ቦታኡ እናመድመደ ኢዩ መጺኡ። ኣብ ስልጣነይ ዕንቅፋት ክኾኑኒ ይኽእሉ ኢዮም ንዝብሎም ኣርሒቖም ጠመትቲ ተጋደልቲ ኣብ ጉዕዞ ኣሕቂቕዎም። ነታ መወዳድርቲ ክትከውን ኢያ ኢሉ ዝፈርሓ ዝነበረ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ተማሓዚዩ ኣድኪምዋ። ብዘይካ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣቲዩ ምቅላስ፡ ከም ናጻ ውድብ ኮይኑ ዝኾነ ውድብ ንኸይቃለስ ተኣጊዱ። ስለዚ እቲ ምልኪ ካብ ድሕሪ ናጽነት ዝጀመረ ዘይኮነስ ቅድሚኡ ዝነበረ ኢዩ።
ዲክታቶራውያን ፍቕሪ ሃገሮም ከም ዘለዎም ብጭርሖታት ይገልጹ ኢዮም። ሙሶሊኒ ንጣልያን፡ ሂትለር ንጀርመን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም ንኢትዮጵያ ዘይጨርሕዎ ኣይነበረን።ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ካብ ሃገራቶም ወጺኦም ዘይናቶም መሬትን ህዝብን ክሕውሱ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዲክታቶርነቶም ምኽኑይ እንተዘይነበረ፡ ኢጣልያውነት፡ ጀርመናውነት፡ ኢትይጵያውነት ዝብል ስምዒታት ኔርዎ ኢዩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ልቢ ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ኤርትራውነት ዝብል ስምዒት የለን። ንህዝቢ ኤርትራ ኣይፈትዎን ኢዩ። ብንዕቀት ኢዩ ዝሕዞ። ህዝቢ ኤርትራ ክሕጎስ ኣይደልዮን ኢዩ።
ዲክታቶር ኢስያስ፡ ናይ ኤርትራውነት ስምዒት እንትዝነብሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈቱ እንተዝነብር፡ ብቐዳምነት ዶባት ኤርትራ ካበይ ናበይ ኢዩ ከም ዝፍለጥ ምገበረ። እዚ ድማ ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን፡ ኣብ 1991 ክኸውን ዝነበሮ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈቱ ነይሩ እንተዝኸውን ካሕሳ ካብ ገዛኢት መንግስቲ ክሓትት ምተገብአ ነይሩ። እዚ ኹሉ ተሪፉ ግን፡ "ዝምድናና ናብ ዶብ ኣልቦ ደረጃ ከነሰጋግሮ ኢና" ብማለት ነቲ መሰረታዊ መለለይ ናይ ሓንቲ ሃገር "ዉሱን ዶባት ዘለዋ" ዝብል ጎስይዎ ከይዱ።
ሕጂ’ውን ነቲ ድሕሪ ክንደይ ህይወትን ንብረትን ተኸፊልዎ፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተበየነ ናይ ዶብ ጉዳይ፡ ናይ መወዳእታ መልክዑ ከትሕዞ ኣይደለየን። ኤርትራ ብውሱን ዶባታ እትፍለጥ ሃገር ኮይና ክትረአ ድሌት የብሉን። ኣብ ክንድኡ፡ "ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ፡ ክልተ ህዝቢ ኢዩ ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ ጥራይ እዮም" ይብለና ኣሎ።
ኤርትራ ምስ ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ፈጢራ፡ ክሳብ ናብ ኮንፈደረሽን ምግባር ዝብጽሕ ኩነታት እንተመጺኡ፡ ምሕንጻጽ ዶባታ፡ መለለይኣ ድኣምበር ዓንቃፊ ኣይኮነን። ናይ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣብያ ንምሕንጻጽ ዶብ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከይቀስንን ካልእ ውዲት ዘለዎን ኢዩ።
ዲክታቶር ኢስያስ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ብብዙሕ ኣጋጣሚታት መልክዓትን ተገሊጹ ኢዩ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕሸል መንእስያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ኣብ ላምፓዱሳ) ክመቱ እንከለዉ፡ ክንዲ ቅንጣብ ትኣክል ድንጋጸ ኣይርኣናሉን። ኣስከሬኖም ኣብ ሓመድ ዓዶም ከይቅበር ድማ ከልኪልዎም።
ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ ክብሩን ሃገራዊ መንነቱን ክመልስ ሓቢሩ ክትስእ ይግብኦ። ነዚ ብንዕቀትን ጽልእን ዝገዝኦ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምልጋስ ካብዚ ሕጂ ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ንላዕሊ ምኽፋል ዘድልዮ ኣይኮነን።
እቲ ዉሩይ ናይ መጻሕፍቲ ምርኢት( Expo ወይ Bokmässa ) ዝፍለጥ ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ዝካየድ 2ተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ሓንቲ ደራሲትን ተሳቲፎም ።
ካብ ዕለት 26 መስከረም ክሳብ 29 መስከረም 2019 ዝቅጽል መርኢት ናይ መጻሕፍቲ ኣብ ኣዝዩ ዓቢ ኣደራሽ ናይ ክልተ ደርቢ ከተማ ዮተቦርግ ስቨንስክ ሜሳ ዝካየድ ዘሎ ኣሽሓት ሽወደናውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ደረስቲ ጸሓፍቲ ዝሳተፉሉ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕባሌ ናይ ዲጂታል ማስ መዲያ ተክንሎጂን ትርኢትን ሓበረታን ዝህቡ ትካላት ፡ ሰሚናር ብኪኢላታትን ፡ ኣገደስቲ ፖሊቲከኛታት ዓውደ ክትዕን ዝካየደሉ ብኣሽሓት በጻሕቲ ከዕለቅልቅ ይርከብ። ኣብዚ ሰፊሕን ኣገዳስን ምርኢትን መሸጣ መጻሕፍትን ሃነጽቲ ሰሚናራትን ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማለት ኣሮን ብርሃነ ሓላፊ ብሕታዊ ጋዜጣ ሰቲቲ ኣማሓድሪ ዝነበረ ካብ ካናዳ፡ ኣማኒኤል ግርማይ ሓላፊ ጠረበዛ ዜና ናይ ነጻ ማዕከን ራዲዮ ኤረና ካብ ፈረንሳ ፡ ደራሲት ይርጋኣለም ፍሳሃ ካብ ጀርመን ተሳቲፎም።
ቀዳሞት ወለድና በቲ ዝነበሮም ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ብሓባር ዝናበረሉ ሕጊ ብምምስራት ፍሉጣትን ውሩያትን ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ሎሚ ኮይኮነ፥ ኣብ ንሓድሕዶም ተሳንዮምን ተኸባቢሮምን ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮፍ ኢሎም፡ “ኣይፋልካን ኣቦይ እገለ፡ ነዓ ደኣ ካብ ሕጊ ዓዲ ኣይትውጻእ” እናበሉ ነገር ዘዳቕሱን ዝዓርቁን ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱ፡ ወረድኡን ርቡኡን በብደረጃኡ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኢዩ። ከምኡ ክገብሩ እንከለዉ ነቲ ዝመርሖም ቆጽሊ የውድቑሉ እሞ ብኡ ተማእዚዞም ጸገም ከጋጥም እንከሎ “ዝባን ሕጊ” እናተበሃሃሉ ብሰላም ይነብሩ ነይሮም።
ሎሚ ሎሚ ግና ትምህርቲ እናሰፍሐን እናማዕበለን፡ ፍልጠት እውን ኣዝዩ ክብ ዝበለሉ ግዜ በጺሕና ክንስና፥ ክንዲቲ ኣእምሮ ቀዳሞት ወለድና ክንከውን ኣይበቓዕናን። እዚ ምስቲ ግዜን ኩነታትን፥ ምዕብልናን ስልጣኔን ዝቀያየር ባህሪ ወዲ ሰብ ዘምጽኦ ጠባይ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ከመይሲ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ንሓባራዊ ረብሓ ዝጥምቱ ናብ ንዓይ ይጥዓመንን ውልቃውነትን የድህቡ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ድማ ፍልልያት ይፍጠር እሞ፡ ኣብ ርኹብን ስኡንን ይመቓቐል። ብኡ መጠን እውን እቲ ማዕርነትን ተጻዋርነትን ይሃስስ። ኣብ ከምዚ ኩነት ድማ እቲ ግሉጽነትን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ብናይ ሸፈጥን ኣንነትን ይትካእ እሞ ናብ ዘይተደልዩ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ገጹ ከምዘድህብ ይገብር።
እዚ ማለት፡ እቲ ብኣነነት ዝተጎብአ ባእታ ምስ ካልኦት ኣብ ስምምዕ ክኣቱ ክጻገም ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ ክወስዶ ዝኽእል ኣገባብ ወይ ተጓናጺ፥ ዓማጺ፥ ርህራሄ ዘይብሉ ናይ ውልቁ ረብሓ ጥራይ ከምዝጥምት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ግዜ እዚ ነታ ረብሓኡ ክብል ንደቂ ሰባት ብዝኾነ መልክዕ ኣላኺዑ ዲዩ፥ ኮታ ናብታ ዝደልያ ንምብጻሕ ብዙሕ ምስ ደቂ ሰባት ዘየሳኒ ክፍጽም ይኽእል እዩ። ንኣብነት ነፍሰ ተኣማንነት ምስ ዝስእን ብብሄር ዲዩ ብሃይማኖት፥ ቀቢላ መብቆል ኣቢሉ ንምትእስሳር ሃተምተም ክብል ይጅምር። እዚ ነቲ ዘጋጥም ሽግራት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕን ዘተሓቛቚፍን ፍታሕ ምንዳይ ነቲ ሽግር መመሊሱ ከም ዝባላሕ ይገብሮ።
ልክዕ እዩ፡ ዝኾነ ይኹን ወዲ ሰብ ናቱ ርድኢትን ሓሳብን ኣለዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ግን ምስ ካልኦት ከመይ ትሰማማዕ፥ ሓቢርካ ትሰርሕን ተኸባቢርካ ትነብርን ኣብ ዝብል ክሓስብን ክስመዖን እንተዘይክኢሉ ናብ ዓመጽ ገጹ ዝኸይድ ባህሪ ኢዩ ዘጥሪ። እዚ ከኣ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ነቲ ናቱ ሓሳብ ተቐባልነት ንኽረክብ ሃይማኖት፥ ወይ ብሄር፥ ወይ ዓሌት ከም ጭብጢ ክጥቀመሎምን ክኸፋፍለሎምን ይፍትን። እዚ ከኣ ነቲ ማሕበራዊ ምትእስሳር የጒድሎን የጒድሞን፡ ናብ ናይ ነንወገንካ ምሕብሓብ ገጹ ድማ ይድይብ።
ደቂ ሰባት ኩሉ ህይወቶም ምስ ምንባር ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ ናይ ግድን እዩ ኣብ ንሓድሕዶም ክደላለዩ። እዚ ግን ንኹሎም ብማዕረ ዘገልግልን ነቲ ዘይምዕሩይነት ብማዕርነት ዝትክእ ኣገባብ ክኸውን ይግበኦ። ማለት፡ እቲ ንደቂ ሰባት ዘተኣሳስር ሃገራዊ ቅዋም ብናይ ሃይማኖት ወይ ዓሌት ወይ ብሄር ዝተመርኰሰ ምትእስሳር ከኸውን የብሉን። እቲ ጉዳይ ንኹሉ ሃይማኖታትን ብሄራትን ከምኡ’ውን ባህሊ ብማዕረን ፍትሓውን ዝኾነ ዳንነት ዝረኽበሉ፥ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ መነባብሮ ህይወት ደቂ ሰባትን እምነትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ነጻነት ዝተመርኮሰ ኣሳታፊ ምትእስሳር እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ብወገኑ ንባህሪ ከመይ ገርካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ትእቱን፥ ነቲ ብሓባር ዘናብረካ ድማ ካብ ናይ ሓባር ርድኢትን ስምዒትን ነቒልካ ኣብ ረብሓ ኩሉ ዝውዕል ሓቢርካ ብምስራሕ ነቲ ቀንዲ ሽግር ናይ ድኽነት ምውጋድን ንፍልልያት ምጽባብን ቅንዲ ዕላማኡ ክኸውን ይግበኦ። እዚ እውን ኣድልዎ ብዘይብሉ ሓድሕዳዊ ኣኽብሮትን፥ ሕውነትን፥ ፍቕርን ኣቢሉ ንኻልኦት ብዘይሃሲ መፍትሒ ብምንዳይ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኩሉ ግና ብቃልሲ እምበር ከምዚ ሎሚ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ሃለዋት፡ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ኰንካ ዝረጋገጽ፡ ወይ እውን መላኺ ስርዓት ክተዂበልካ እትጽበዮ ኣይኮነን።
እዚ ማለት ግና ሰባት ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካውን ሃገራውን ጉዳያት ኣሉታዊ ተጽዕኖ ብዘየሕድር ኣገባ፡ ሃይማኖታዊ ብሄራውን ኣውራጃውን ርክባት ኣይሃልዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ መሰልን ነጻነትን ናይ እምነት፥ በብቋንቋኻ ምዝራብን ባህልኻ ምዕቃብን ይኸልእ ማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ምስ ካልኦት ብዘይገራጮ ወይ እውን ኣብ ህልኻትን ግርጭታትን ብዘየእቱን፥ ነቲ ኣብዝሓ ዘተኣሳስር ፈትልታት ብዘይበትኽን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ብማሕበራዊ ጉዳያት ኣምሲልካ ደሓር ናብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክተእትዎ ግን፥ ነቲ ክህሉ ወይ ክፍጠር ዝኽእል ሽግራት ብዝኸፍአ መልክዑ የጋድዶ። ምኽንያቱ ሓንሳብ በዚ ዝካየድ ምጥርናፋት ወይ ምትእስሳራት ነቲ ምርሕሓቕ መሊሱ እዩ ዘጋፍሖ። እቲ ምርሕሓቕ ኣብ ዝጋፈሓሉ ድማ እቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ጥሙሕ ነቲ ሽግር ኣብ ክንዲ ብግልጺ ተዛትዮም ነቲ ፖለቲካ በኪሎም እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ፍልልያት ክነብር ስለ ይደፋፍእዎ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝተፈላለየ መልከዓት ብዘለዎ ፈተናታት ክሓልፍ ዝጸንሐን ዘሎን ራህዋን ቅሳነትን ዝምነ ግና ዘይረሃዎ ህዝቢ እዩ። ሃገሩ ብኣቀማምጣኣ ተበሃጊት፡ ብተፈጥሮኣዊ ሃብታ ርብሕቲ፡ ንሱ ከኣ ጻዕረኛን ብጽፍሩ ክነብር ዝኽእልን ኢድ ካለኦት ዘይጽበ ህዝቢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር ንካለኦት ዘይጐድእ ክትንከፍ እንከሎ ንመሰሉ ድሕር ዘይብል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ኤርትራ መሰልካ ተቓሊስካ እተረጋግጾ እምበር ክትኮበልካ እትጽበዮ ከምዘይኮነ ኣሚኑ ከሎ ጋና ኣብ ቃልሲ ዝተሰልፈ ህዝቢ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ኣቐዲሙ ክርህዎ ዝተቓለሰ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ጻምኡ ዘይረኸበ ህዝቢ ምዃኑ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ግና ድማ ውጽኢቱ ዘሕብን ምዃኑ ብምርዳእን ኣብቲ መስርሕ ዕድላትን ብደሆታትን ከም ዘጋጥም ተረዲኡን ዝወሰነ ህዝቢ እዩ። ናብ መስርሕ ቃልሲ ክኣትው እንከሎ ኣብ መሪር መስርሕ ናይ ምንባር ህርፋን ነይርዎ ዘይኮነ፡ ካልእ መሰሉ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ምስ ሰኣነ ተገዲዱ ዝመረጾ እዩ። ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኤርትራን ህዝባን ብምግዛእ፡ ረብሓኦም ከረጋግጹ ምስ ወሰኑ፡ ነዚ ሕልሞም ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንተተኻኢሉ ብዘይመሰረታዊ መጠበሪ ኣዕሽኻ እንተዘይኮነ ከኣ ኣንበርኪኽካ ምሓዙ ጥራይ ምዃኑ ወጢኖም እዮም ኣትየምዎ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተዓሸወን ኣይተንበርከኸን፡ ብኣንጻሩ ሓቂ ኣንጻር ሸፈጥ ዘለዋ ልዕልና ብዘመስከረ ኣገባብ ድሕሪ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕን ናይ ውሽጥን ግዳምን ውዲታትን ተዓዊቱ፡ ኣኽሊል ናጽነት ደፊኡ ልኣላውነቱ ከኣ ደሪቡ።
እንተኾነ ንናጽነት ኣረጋጊጽዋ እምበር ፍሪኣስ ኣየስተማቐረን። ወጽዓ ሓይልታት መግዛእቲ ዝተጸበዮ እዩ ነይሩ። እዚ ድሕሪ ናጽነቱ እምነት ብዘንበረሎም ጠላማት ምስተጨውየ ዘጋጠሞ መከራ ግና ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ዝያዳ መሪርዎ። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ክቃለስ እንከሎ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኩሉ ብሰንኪ መግዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ ሕሰም ተቐንጢጡ ዓው ኢሉ ዝዛረበላን መሊኡ ዝረግጸላን ሃገር ንምውናን እዩ ነይሩ። ብግብሪ ግና ብመልክዕ እምበር ብትሕዝቶስ ድሕሪ ስዕረት ገዛእቲ እውን እቲ ወጽዓ ገዲዱ እምበር ኣይተወገደን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ደጊምስ ግዜ ነዊሑ ቃልሲ’ውን መሪሩ ኢሉ ኣይተንበርከኸን። እነሆ ከኣ ዝተፈላለዩ ጸገማት እንዳተበራረይሉ፡ ክንድቲ ንናጽነት ዘካየዶ ናይ 30 ዓመታት ዝገማገም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ተጸሚዱ።
ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ምጽማድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣዝዩ ብዙሕን ክቡርን እዩ። ናይ ንዋትስ ይትረፍ እሞ፡ እልቢ ዘየብሉ ክቡር ህይወት ከፊሉ። ምእንቲ መሰሉ ክብል ተመቚሑን ተሰዲዱን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ክሳብ ሎሚ ነቲ ናይ ቃልሱ ስንብራት መሊሱ ዝጐድእ እምበር ቁስሉ ዘሕዊ ዕድል ዘይምርካቡ እዩ። ንመስዋእቲ ደቁ፡ ብጽቡቕ ህይወት ደቆም ኣብ ክንዲ ዘደዓዕስ፡ ዕድል ናይቶም ደቂ ስዉኣት’ውን ጸልማት ምዃኑ ይርኢ ኣሎ። ብመስዋእቲ ደቀን ኣብ ቃልሲ “ኣደ ስዉእ” ተባሂለን ተሓቢነን፡ ብሞት ደቂደቀን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝሓዝና ዘለዋ ኤርትራውያን ኣደታት ውሑዳት ኣይኮናን።
ናይዚ ኩሉ ጸገምን መረረን ቀንዲ ተሓታቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ ኣይኮነንዶ እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ህግዲፍ እውን ኣፍ ኣውጺኡ’ኳ “ኣነ እየ ተሓታቲ” እንተዘይበለ ብውሽጡስ ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። እቶም ዝተረፍና ንብዓት ህዝብና ክንሕብስን ኣብ ቃልሲ ከነሳትፎ ዝወሰናኸ፡ ኣብ ክንዲ ኩሉ እቲ ሓጥያት ናብቲ “ኮነ ኢሉ” ኣንጻር ህዝቢ ዘንቀደ ጉጅለ ምድርባይ “ንሕናኸ ክንድቲ ክንኮኖ ዝገበኣናዶ ምስ ህዝብና ኣለና?” ኢልና ነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ብዙሕ ዝጐድለና ከምዘሎ ከም ዘመልክት ከኣ ፍሉጥ እዩ። ድሌትና ካብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይፍለ ውድባት ንኹን ሰልፍታት ከምኡ’ውን ማሕበራት እቲ ራህዋ ከም እንደልዮ ፍሉጥ እዩ። “እሞ ግብርናኸ ምስቲ ድሌትናዶ የሳኒ?” ኣብ ዝብል ግና ኣዘራራቢ እዩ። ገለን ብጉርሒ ገለን ብገርሂ ድሌትናን ግብርናን ከምዘየሳኒ ርኡይ እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ብድምር ክረአ እንከሎ፡ ከምቲ እትደልዮን ንህዝቢ እትኣትዎ ቃልን ክትበቅዕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ብደሆ እዚ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳተደራበና እንሃድመሉ ዘይኮነ፡ ኩልና “ናትና” ኢልና ዓትዒትና ክንሕዞን ብሓላፍነታዊ ቃልሲ ክንሰግሮን ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።
ሎሚ ህዝብና ከምቲ “ዝቐበጸን ዝነቐጸን ኩሉ ሓደ” ዝበሃል፡ ካብ ህግዲፍ ቀቢጹ እዩ። ብኣንጻሩ ኣባና ኣብቶም ምእንቲ መሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና እምነቱ ኣንቢሩ፡ ድኽመታትና ኣለሊና ጻማኡ ክንከፍሎ ይጽበየና ኣሎ። ከምቲ “ካብቲ ኮነ ኢሉ ክጐድኣካ ዘንቀደ ዝብድለካ፡ እቲ እምነት ዘንበርካሉ ክደግመካ እንከሎ ይኸፍእ” ዝበሃል፡ ናትና ኣለናልካ እንዳበልና ዘይምህላው ንህዝብና ዝያዳ ከም ዝሃስዮ ፍሉጥ እዩ። ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ ህግድፍ፡ ተኣሲሩ፡ ተጨውዩ፡ ደኽዩ፡ ፍትሒ ስኢኑ፡ ኣደዳ ስደት ኮይኑ፡ ኮታ ባዲሙስ ካባና ከኣ ተስፋ ክስእን እንከሎ፡ ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሻብ ይውቃዕ” ዝበሃል እቲ በደል ተደጋጋሚ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እቲ ማዕረ ባህጊ ህዝብና ከይንስጉም ዓንቂፉና ዘሎ ጸገማት እንፈልጦን ክስገር ዝከኣልን ክነሱ ክንሰግሮ ዘይምኽኣልና እዩ።
ኣብ ረብሓ ብዙሓት ዝውዕል ዕላማታት ብውሑዳት ተበጊሱ፡ ኣብ ጉዕዞኡ ንቡዙሓት ጸንቢሩ ከም ዝዕወት ብዙሕ ናይ ታሪኽ ኣብነታት ክጥቀስ ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብነት ክንወስዶ ንኽእል።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘሎና ወርሒ መስከረም፡ ቅድሚ 58 ዓመታት ክጅምር ከሎ ብኣጻብዕ ብዝቑጸሩ ጀጋኑ ደቂ ሃገር'ዩ ተበጊሱ። ነቲ ቃልሲ ዝጀመርዎ፡ ናይ ሃገርን ህዝብን፡ ፍቕርን ተበጃውነትን ደሪኽዎም ደኣምበር ናይ ህዝቢ ልኡኻት ወይ ተወከልቲ ኮይኖም ኣይነበሩን። ኣካውነኦም ይኹን ሕብረተ-ስባዊ ድሕረ-ባይትኦም ንምልኣት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ኣይነበረን። ኮታ ብኹሉ መዕቀኒታት ትሕዝቶኦም ኣዚዩ ትሑት ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን እቲ ሒዘምዎ ዝተበገሱ ዕላማ፡ ንብዙሓት ዘርብሕ ህዝባዊ ዕላማ ስለዝነበረ ኣብ ጉዕዞኡ ብቑጽሩ እናሰፍሐ፡ ሕብረተሰብኣዊ ምልኣት እናረጋገጸ፡ ብኹሉ ምዐቀኒታት እናዓበየ መላእ ህዝቢ ተጸንቢርዎ ክዕወት ድማ ኪኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ ባዕዳውያን ገዛእትን ደቂ ሃገርን ዝነበረ ግርጭት፡ ብምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ምስ ተፈትሐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግም መግዝእቲ ኢዩ ኣትዩ። እቲ ሓዲሽ መግዛእቲ፡ ካብቲ ቅድም ዝነበረ ዝመረረን ዝኸፍአን ኮይኑ፡ እቲ ሕማቕ ዕድል “ንሕና ኢና ናጻ ኣውጺእናካ” ብዝብሉ ምኹሓት ደቂ ሃገር ተራእዩ።
እቶም ንሓደገኛነት ናይቲ ድሕሪ ምብራር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ዝተተኽለ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዘለለዩን፡ ኣንጊሆም ተቓውምኦም ዝጀመሩን ተቓለስቲ ኣዚዮም ውሑዳት ኢዮም ነይሮም። ከምዚ ሎሚ ከይኮነ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኢዮም ኣብ ፈቐዶ ኣምባሲታት መንግስትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ትካላትን ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ክስምዑ ብቁርን ጸሓይን ሓኾት ዝብሉ ዝነበሩ።
ኮይኑ ግን "በትሪ ሓቅስ ትቐጥን'ምበር ኣይትስበርን ከም ዝበሃል" እቲ ሓቅን ቅኑዕን ዕላማ ክቕህም ኣይከኣለን። መመሊሱ ሰፊሑን ኣጉላዕሊዑን ፡ሙሉእ ህዝቢ ዓቲርዎ ናብ ዓወት ከምርሕ ይረአ ኣሎ። ንተቓለስቲ ፍትሒ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ዘሐጉሶምን ዘሕብኖምን ክህሉ ኣይክእልን።
እዚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም፡ ብፍላይ ብመንእሰያት፡ ብስም "ይኣክል" ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምልካዊ ስርዓት ኢርትራ ዓቢ ደወል ናይ ውድቀቱ ኮይኑ ኣሎ። መንእሰያት ዋናታት ጉዳይ ሃገሮም ከምዝኾኑ ዘረጋግጽሉ፡ ዓቢ ህዝባዊ ስራሓት ክፍጽሙ ንርኢ ኣሎና።
ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም-ሰንበት ዕለት 21/09/2019 ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘርዕድ ንደለይቲ ፍትሒ ድማ ተስፋ ዝኹልዕ ሰፊሕ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንዶን ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ መጸንበሊ ናይቲ ቅድሚኡ ክኸይድ ዝጸንሐ ስራሓት ኮይኑ፡ ንመጻኢ ውን ኣዚዩ ጠቓሚ ሓሳባትን ርእይቶታን ዝወሓዘሉ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ።
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ኣተስፋዊ ድረጃ ምብጽሑ ንኹሎም ተዋሳእቲ ምስጋና ዝግብኦም ኢዩ። ብፍላይ ድማ፡ ንሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ ሒዘሞ ንዝመጹ ስም ውድቦም ቀይሮም ነዚ ተታሒዙ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝምጥን ስም (ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ Eritrean Mass Movement) ክወስዱ ምኽኣሎም ዝምስገን ኢዩ።
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣተስፋውን ኣብነታውን ዝኾነሉ መለለይታት ኣለዎ።
ዝምርሓሉ ዓንደ-ሕጊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዝነብሮ ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ፍትሒ- ኣልቦ ኩነታት ሓራ ንምግባር ማእከሉ ዝገበረ ንኹሉ ኤርትራዊ ምስ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምባሌታቱ ዝጥርንፍ ኢዩ።
ኣሰራርሓኡ ኣሳታፊ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ንምሁራት፡ ክኢላታትን ኣብ ቃልሲ ምኩራትን እናዓደመ ካብኦም ሓሳባትን ምኽርን ክሰንቕ ምኽኣሉ ተወሳኺ ሓይሊ ከም ምርካብ ዝቑጸር ኢዩ።
ንከተማ ሎንደን ኣብ ዞናታት ብምምቃል፡ ኣብ ዘዞናኡ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ በቢዝኽእሎ ንክዋሳእ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ምጅማሩ ዘድምዕ ናይ ቃልሲ ሜላ ኢዩ። ነዞም ክሳብ ሎሚ እናሰርሓሎም ዝመጽአ ኣገባባት ሒሒዙ እናኣማዕበሎምን ክኸይድ እንተኪኢሉ ኣድማዒ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ካብ 12 ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ተወኪላ፡ ብ36 ኣባላት ቆይማ ዘላ ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምዓልቲ ጽምብላ ንስራሓ ዝጠቕማ ዓቢ ቁም-ነገር ሰርሓ ኢያ። ካብ ኩሉ ተሳታፋይ ሓሳባት እትሰንቀሉ ዓውደ-ስራሕ (work shop) ኣዳልያ፡ ሃብታም ዝኾነ፡ ርእይቶታትን መተሓሳሰቢታትን ከተዋህልል ኪኢላ።
ባይቶ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዓዲ እንግሊዝ ቀንዲ ስርሓ፡ ንህላወ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስዓር ስለዝኾነ፡ ብዘቑሞም ክፍልታቱ ኣቢሉ ንጥፈታቱ ከበርትዕ ከድሊዮ ኢዩ። ኣብ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን ፕሮፖጋንዳዊ መዳያት ክብርትዕን ኣብዚ መዳያት'ዚ ተዋፊሮም ክተሓጋገዙ ዝኽእሉን ከለልን ከድሊዮ ኢዩ።
እናዓበየን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ መታን ንመላእ ሕብረተ ሰብኣዊ ክፍሊታትና ጠርኒፉ ዝጎዓዝ ክኸውን፡ ዕቱብ ጻዕርታት ከድሊዮ ኢዩ። እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ሕጽረታቱ እናጸብጸባካ፡ ኣማዕዲኻ እትጥምቶ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ኣብ ምሕጋዙን ንዘለዎ ሕጽረታት ኣብ ምምላእን ተዋሳኢ ሙዃን ዘድሊዮ ኢዩ።
መንእሰይ ሽወደናዊት ግረታ ቱንበርግ ንመራሕቲ ዓለም ብሕርቃን ነድርን ብኽያትን ነቂፋ
Tuesday, 24 September 2019 09:40 Written by ጸሃየ ቀለታእዛ 16 ዓመት ዝዕድሜኣ ሽወደናዊት ግረታ ቱንበርግ ዝተባህለት ህብብቲ ንምክልኻል ብከላ ኣየር ዓለምና ንምድሓን ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን ብምክያድ ክትንቃሳቀስ ዝጀመረትን ብዕለት 23 መስከረ 2019 ኣብ ኒዩ ዮርክ መደበር ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ተረኺባ ብተሪር ጭደራን እንጽርጽሮትን ብኽያትን ንመራሕቲ ዓለም ነቂፋ። ምስኣ እውን ሓያሎ መንእሰያት ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ ንመደረኣ ዘትርርን ንገንዘብ ክትብሉ ክፍሊ ዓለምና ትጠልምዋ ኣሎኹም ብምባል በብተራ ንመራሕቲ ዓለም ነቂፎም ፡ ኣስዒቡ እውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጽሓፊ ኣቶ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ዓለምና ትበኪ ኣላ ክብል ንመደረ እቶም ቆልዑ ደጊፉ። ብድሕሪ ናይ ግረታ መሳጢ መደረ ማለት፡ ብባዶ ቃላትኩም ንእስነተይን ሕልመይን ሰሪቅኩሙኒ ምስ በለት ልዕሊ 66 ሃገራት ንድሕነት ብከላ ኣየር ዓለም ክሰርሓ ፈሪመ ከም ዘሎዋ ማዕከና ዜና ዓለም ኣቃሊሔን። ብተወሳኺ እውን ብዕለት 23 መስከረም ኣብ ማልታ ዝተገብረ ርክብ ሚኒስተራት ዉሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኤውሮጳ ፡ ደጊም ድሕሪ ሎሚ ኢጣልያን ማልታን ንበይነን ኣይኮናን ብስደተኛታት ዘዕለቅልቃ 6ተ ሃገራት ኤውሮጳ ክተሓባበራ ተሳማሚዔ ከም ዘሎዋ ተገሊጹ።
ብዛዕባ ዲሞክራሲ ክለዓል እንከሎ እተን ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዛ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እየን። ምኽንያቱ ብዘይህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፥ ዲሞክራሲ ንኽዕምብብን ኣብ ተግባር ክውዕልን ውሕስነት ስለ ዘየለ። ስለዚ ዲሞክራሲ ህይወት ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክህልዋ። ንህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝጻረር ከኣ መላኺ ወይ ዓብላሊ እዩ።
ብመጀመርያ “ክንደይ ዓይነት ሰልፋዊ ስርዓታት ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ነቲ ዛዕባ ዓቢ ግደ ይህቦ እዩ። ከምቲ ጉግል ዝብሎ “ሰልፋዊ ስርዓታት ኣብ ሰለስተ ይኸፈል። ቀዳማይ ዓባላሊ እንኮ ሰልፋዊ ስርዓት፥ ካልኣይ ክልተ ሰልፋዊ ስርዓት፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ስርዓተ ኣብዝሓ ሰልፍታት እዩ።” እቲ ዳሕረዋይ ሰልፋዊ ስርዓት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉ ኣገባብ እዩ። እቲ እንኮ ሰልፋዊ ስርዓት እቲ ንዲክታቶርነት ወይ ምልኪ ዝምስርት እዩ። ከምዚ ኣብ ዝዓይነቱ ስርዓት ውድድር ዝበሃል የለን። ወረ ኣብ ገለገለስ ከምዚ ስርዓት እሰያስ ዝኣመሰለ ምርጫ ክካየድ ይትረፍ ህላዌ ሰልፍታት ዝጻረር ጭው ዝበለ ምልኪ እውን ኣሎ። እዚ ስርዓተ እንኮ ሰልፊ ብሕታዊ ዓብላሊ ስርዓት እዩ። ነዚ ንምዕዋተ ከኣ ኣብዝሐ ሰልፍታት ኣይደልዩን እዮም።
እቲ ክልተኣዊ ሰልፋዊ ስርዓት ብፈደረሽን ይመሓደር እምበር ናቱ ኣበር ክህልዎ ይኽእል። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ስልፍታት ጥራይ እዩ ናይ ስልጣን ቅብብል ዝካየድ። ኣብዚ ብመጠኑ ኣብ መንጎ ክልተ ሰልፍታት ውድድር ምህላው እወንታዊ እኳ እንተኾነ፥ እተን ናኣሽቱ ሰልፍታት ኣብቲ ናይ ባይቶ መንበር ስለዘይረኽባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ኣብ ውድድር ክኣትዋ ዕድል ስለ ዘይረኽባ ዳርጋ ዘይህልዋት እየን። በዚ ዝኣክል እተን ናእሽቱ ሰልፍታት በተን ዓበይቲ ሰልፍታት ስለ ዝዕብለላ እቲ ናይ ስልጣን ቅብብል ናይ ክልተ ሰልፍታት ምልኪ (ዋንነት) ይኸውን።
እቲ ብናይ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝቕውም መንግስቲ ካብ ሰለስተ ወይ ካብ ሰለስተ ሰልፍታት ንላዕሊ ዝዋሰኣሉ እዩ። ኣብዚ እቲ ዝካየድ ምርጫ፥ እቲ ህዝቢ ካብተን ዘለዋ ሰልፍታት ቁጽረን ይብዛሕ ይውሓድ ብዘየገድስ ንኽመርጽ ምርጫታት ኣለዎ። ካልኣይ እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝካየድ ምልኪ ናይ ምስራጽ ዕድሉ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ ሰልፍታት ነቲ መንግስቲ ብተናጸል ወይ እውን ብልፍንቲ ክቆጻጸር ይኽእላ። ሓደ ሰልፊ ንበይኑ ነቲ ዝድለ ብዝሐ ድምጺ ናይ ሓጋጊ ኣካል ከምጽእ ኣብ ዘይክእለሉ ናይ ግድን እዩ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ነቲ ድምጺ ክምልእ ክብል ከመሓዞ ወይ ልፍንቲ ክገብር። በዚ ዝኣክል እቲ ዝምስረት መንግስቲ ልፍንታዊ ስለዝኾነ ናይ ምትሕልላው መንፈስ ኣሎ።
እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ዓይነት ሰልፋዊ ስርዓታት እቲ ናይ እንኮ ሰልፊ ምርጫ ከካይድ ወይ ዘይከካይድ ይኽእል። ምርጫ እንተካየደ ከኣ ነቲ ስልጣን ዝብሕቶ ንሱ ንበይኑ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ መርገጻቱ ዝኸይድ ነቲ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝተመስረተ ስርዓት ንምትካል እዩ ቀንዲ ዕላምኡ። ስለምንታይ ከምኡ ኣገባብ ይመርጽ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እምበኣር ነዚ ዝመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝቐውም መንግስቲ ካብ ዕብለላን ጭቆናን ኣሃዳዊ ስርዓትን ነጻ ዝኾነ መንግስቲ ንምትካልን፡ ተሳትፎ ህዝቢ ከዓዝዝን፥ ብኡ መጠን ድማ እቲ ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ናይ ምቁጽጻር ዕድል ይረክብ። እዚ ድማ በቲ “ዘይምእኩል ኣገባብ ምሕደራ” ዝብል ነቲ ኣሃዳዊ ስርዓት ዝገትእ ስልጣን ኣብ ላዕሊ ተኾሚሩ ገባርን ሓዳግን ዝኸውን፡ ናብ ወረዳታትን ኣውራጃታትን ይመቓራሕ ይብል። ስለዚ ካብዚ ነቒሉ እዚ ሰልፊ እዚ ነዚ ዝስዕብ ገለ ካብቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰረታዊ መሰላት ዝኣምነሉ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ዝቃለሰሉ ንምጥቃስ፥
1- ክሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ ምሕብሓብ፡
2-ብሃይማኖት ይኹን ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፥ ብዘርኢ (ዓሌት) ጾታ ወይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ዘየፍቅድ፡
3-ንስኡናትን ንኣረጋውያንን ምጥዋርን ምሕጋዝን
4--ናይ ምውዳብን ምእካብን ናጽነት ምኽባር
5-ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነት
6-ናይ ውልቀ-መሰል ምኽባርን ምክልኻልን
7- ናጽነት ሃይማኖት
8-ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ክምረጽን ክመርጽን ምኽኣል ወዘተ።
ኩልና ከም እንፈልጦ ሓደ ነገር ብሓንቲ ለይቲ ከምዘይህነጽ ርዱእ እዩ። ዲሞክራሲ ድማ ከምኡ ብሓንቲ ለይቲ ክህነጽ ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ነቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ክንሃንጾ እንደሊ ስርዓተ ምሕደራ፡ ምስቲ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ ቀዳምነት’ኳ እንተዘይተሰርዐ፥ ካብ ብሕጂ እንተሓሰብናሉ ኣየኽፍእን እዩ። ኣርሒቕካ ብዘይምርኣይ እቲቅድም ነዚ ንግበር እናተባሃልና ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወና ተመኩሮ፡ ደጊሙ ከይደግሰና ምጥንቃቕ የድሊ። ህዝቢ ድሕሪ እቲ ስርዓት ምውዳቕ፥ ዝምእመኦን ዘርብሖን ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ፖለቲካዊ መትከላት ናይ ኩለን ሰልፍታት ዝቕበሎን ዘይክቕበሎን ክመራመረሉ ይግባእ። ምኽንያቱ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሒጅ ጽረግ” እዩ ነገሩ።
ስለዚ መንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከምቲ ሓደሓ ዘይፈልጥዎ ብደገ ከጽልምዎን ዘይናቱ ክህብዎን ዝፍትንኑ ዘይኮነስ፥ ልኡላውነት ሃገርን ልዕልና ህዝብን ዝማእከሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። ነዚ ከተግብር ከኣ ናብ ዲሞክራሲ ዘብጽሕ ፖሊሲ ወሳንነት ብኣብዛሓ ድምጺ ዝኣምን እዩ።
Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃሰየ ትካል ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ
ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ሰዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰራዊታ ናብ ስዑዲ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ማርክ ኤስፐር፡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቁጽሪ ናይቲ ናብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣብ "ምክልኻል ዝዓለመ" ተልእኾ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ-የመን፡ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልተ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዶም ኣለው።
ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን ግና ንኢራን እየን ዝኸሳ።
ዓርቢ ንግሆ ግና፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኢራን ቀጥተኛ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዘይደሊ ብምትንባህ፡ "ልዑል እገዳ" ከም ዝተነብረላ ኣፍሊጡ።
ትራምፕ፡ "ከምዝመስለኒ፡ ርእስኻ ምግታእ መግለጺ ናይ ሓያል ሰብ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ሓድሽ እገዳ ንማእከላይ ባንክ ኢራንን ምንጪ ሃብቲ እታ ሃገርን ዕላማ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።
ምስ ኣቦመንበር ጥሙር ሓለቓታት ስታፍ፡ ጀነራል ጆሴፍ ዳንፎርድ ብምዃን ብዓርቢ መግለጺ ዝሃበ ሚስተር ኤስፐር፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓገዝ ምሕታተን ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ዝለኣኽ ሓይሊ፡ ንዓቕሚ ሓይሊ ኣየርን ምክልኻል ሚሳይልን ክብ ከም ዘብልን፤ ኣሜሪካ ንክልቲአን ሃገራት እትገብሮ ቀረብ ወትሃደራዊ ንዋት ከም እተቀላጥፍን ሓቢሩ።
ጀነራል ዳንፎርድ እቲ ምውፋር "መጠነኛ" ምኳኑ ብምግላጽ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዘይኮኑ ሓቢሩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝርዝራት ግን ኣይገለጸን።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከተካይድ እንተኾየና ዝተሓተተ ሚስተር ኤስፐር፡ "ኣብዚ እዋን ኣብኡ ኣይበጻሕናን" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃበ ኒውዮርክ ታየምስ ጸብጺቡ።
ሚኒሰትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ናይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተረኽበ ናይ ሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ስብርባር ሓጻዊን ንምርኢት ብምቕራብ፡ ኢራን ኢድ ከም ዘለዋ መረጋገጺ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብልክዕ ካበይ ከም ዝተተኮሰ ግና ገና ምጽራይ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ሓደ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49780040
ፍቕርን ሓልዮትን ካብ ገዛን ቤተሰብን እዩ ዝጅምር። ኣብ ገዝኡን ቤተሰቡን ዘየድመዐ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዝገብሮ ፈንጠርጠር ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። በጃን ሓላይን ህዝቢ ክትከውን ናይቲ ብቐረባ ክትኣልዮን ከተመሓድሮን ዝግበኣካ ቤተሰብ ሓላይ ክትከውን ክትበቅዕ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ቤተሰብ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር እተቕውም መሰረታዊት ኣሃዱ ስለ ዝኾነት። እቲ ፍቕርን ሓልዮትን ብደረጃታት ክፈላለ ይኽእል። ንቤተሰብ ንመላእ ንህዝብን ካልእ መንነትካ ዝገልጽን ዝወሃብ ክብደት ደረጃታት ሃልይዎ ግና ተጸላላውን ትርደጋጋፍን እዩ።
ነዚ ብመንጽር መንግስታት ክንርእዮ እንከለና፡ ከምቲ ሓደ መራሒ ስድራቤት፡ ኣባላት ቤተሰቡ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎ፡ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ከኣ ዝኸበደ ዕማም ኣለዎ። ሃገርን ህዝብን ምምራሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ ግና ሃገር ምስ ኩሉ ክብራ ምሕላውን መሰረታዊ ሕቶታት ናይቲ ዝመርሖ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳያት ምምላስን እዩ። እዚ ናይ መራሕን ተመራሕን ዝምድና ብፍንው ድሌት ናይ ሓዲኦም ዝካየድ ዘይኮነ፡ ግደ መንግስትን ህዝብን ብዝውስን መሰማምዒ ቃል ኪዳን ተመስሪቱ ዝስራሕ እዩ። ኩሉ’ቲ ስምምዓትን ውዕላትን ከኣ ኣብቲ ናይ ኩሉ ሕግታት ላዕለዋይ ሕጊ ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ዝምስረት እዩ። ከምቲ ሓደ መራሒ ስድራቤት ቅድሚ ኩሉ ሕጋዊ ክኸውን ዝገበኦ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ እውን ቅድሚ ኩሉ ሕጋዊ ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ርእሲኡ በቲ ዝመርሖ ህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ይግበኦ። ተቓባልነት ንምርካብ ከኣ ቅድሚ ኩሉ ሕጋዊ ምዃን የድሊ። ሕጋዊ ናይ ምዃን ቀንዲ መቕድም ከኣ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዝረኸበ ድምጺ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ምምጻእ እዩ። ነዚ ሕጋዊ መሰረት ጓስዩ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ኣካል ግና ዝበለ እንተበለ ዓመጸኛ እዩ።
ሓደ ከም ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ሕቶ ምምላስ ዝሰኣነ፡ ዝመርጾ መንግዲ ህድማ እዩ። ህድማ ብኣካል ጥራይ ዘይኮነ ብኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን ካብ ባህጊ ህዝቢ ርሒቕካ ደገደገ ምምዕዳው እዩ። ኣብ ኣፈንጫኡ ብዛዕባ ዘለዉ በዳህቲ ግዜ ዘይህቡ ሃገራውን ህዝባውን ዛዕባታት ንምኽዋል፡ ህዝቢ ጉዳዩ ገዲፉ ናብ ርሑቕ ምእንቲ ከመዓዱ መዳህለልቲ ብልሓታት ይምህዝ። ንነብሱ ኣብ ክንዲ ምስ ካብኡ ዝሓሹ፡ ምስ ካብኡ ዝሓመቑ እንዳወዳደረ ዝሓሸ ኮይኑ ክቕርብን ክደዓዕስን ይፈቱ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት የመን፡ ሶማልያን ካለኦት ኣብ ህውከትን ድኽነትን ዘለዋ ሃገራት እምበር ብዛዕባ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሳ ሃገራት ክሓስብ ኣይደልዮን። ሕሉፍሓሊፉ ናቱ ዕዮ ገዛ ከይሰረሐ ኣብ ርሑቕ ከይዱ ሓላይ ናይ ሰፊሕ ዞና መሲሉ ይቐርብ። እንተኾነ ናይ ኩሉ መሰረት ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕዮ ገዛ ክትዓምም ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ መህደሚ ክኾኖ ዝኸዶ ከባቢ እውን ኣይሰልጦን። እዚ ከኣ ንናይ ገዛእ ርእሱ ህዝቢ ሓላይ ዘይኮነ ኣካል፡ ኣብ ካልእ እውን ሓላይ ክኸውን ከምዘይክእል ዘመልክት እዩ።
ዲክታቶር ኢሳይያስ ብመንጽርዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ንኤርትራን ህዝባን ብዘይሕግን ፍትሕን ዝድህኽ ዘሎ እዩ። ምስ ህዝቢ ቃል ዝኣተወሉ ውዕል የብሉን። እንታይ ክገብር ከም ዝግበኦን እንታይ ክገብር ከምዘይግበኦን ዝድርት ትካላት የብሉን። ግደ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዘርኢ ስኑድ መሰማምዒ ውዕል የለን። ብሓጺሩ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ “ከም ድላዩ” ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን ውጹእ መላኺ እዩ። ከም መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ካብ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ኣይምልስን። ብኣንጻሩ ንዝሓቱን ክሓቱ ንዝሓስቡን ይቐጽዕ። “ኣነ እየ ኩሉ” ካብ ዝብል ትዕቢትን ብደዐን ስለ ዝነቅል እቲ ንዕኡ ባህ ዝብሎ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ባህ ከም ዝብሎ ገይሩ ይወስድ። ግደ ሓቂ ግና ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኹሉ መዕቀኒ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን ኣካይዳ ኢሳይያስን ተጻራሪ እዩ። ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መሰረት ከኣ እዚ ተቓርኖ’ዚ እዩ።
ዲክታቶር ኢሳይያስ ብዓቕሚ ኮነ ብባህሪ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክምልስ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ እንግደዓ ናይቲ ሕቶኡ ዘይምለሰሉ ህዝቢ ተኾይጡ ኣብ ስልጣን ክነብር ይደሊ፡ ይነብር ከኣ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ዓቂቡ ንምቕጻል ዝመርጾ ስልቲ ካብቲ ህዝባዊ ሕቶ ምህዳምን ብቐጥታ ምስ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ዝምድና ዘየብሉ ኣጀንዳታት ምፍጣር’ዩ። እቲ ቀንዲ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ከኣ ንሱ ባዕሉ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፡ ንህዝብና ካልእ ጸላኢ ይዕድመሉ። ጸላኢ ምዕዳም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይምኽኑይ ውግእ ጠቢሱ የህልቖ። ነቲ ህልቂት ከኣ ተመሊሱ “ኣየኽሰረናን” ይብሎ። ብመንጽር እዚ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ’ሞ ንኤርትራ ሓይልሰባ በሊዑን ንብረታ ኣባዲሙን ኣብዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ቀራና መንገዲ ዘውደቓ ውግኣት ብሓልዮትን ብትዕግስትን እንተዝተሓዝ ዘይክካየድ መኸኣለ። እንተኾነ እቲ ዲክታቶር ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ከምቲ ዝገበሮ ካብ ምግባር ካልእ ምርጫ ስለ ዘይተራእዮ ከምኡ ገይሩ።
ኢሳይያስ ሕጂ እውን ካብ ናትካ ኣቐሚጥካ ደገደገ ምምዕዳው ኣይወጸን። ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ካብዚ ዝሓሸ መንገዲ ኣይረኣየን። ኩሉ ዝገብሮ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ብምሕላይ ዘይኮነ ምእንቲ ስልጣኑ ምዃኑ ካብ 1998 ጀሚሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጉዳይ ክሕዘሉ ዝጸንሐ ናይ “ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ” ሜላ ምስትብሃል ጥራይ ይኣክል። ከድልዮ እንከሎ ንልኡላውነት ኤርትራ ሰማይ ይሰቕሎ፡ ኣብ ዘየድለዮ ድማ ብዛዕባኡ ንምዝራብ እውን “ነውሪ እዩ” ይብሎ። ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ምስ ሱዳን፡ ሶማል፡ የመንን ካለኦት ጐረባብትና ሃገራትን ዝገብሮ ዘሎ ዳንኬራ ከኣ ሃገርን ህዝብን ናይ ምጥቃም ተልእኮ የብሉን።
ዲክታቶር ኢሳይያስ ነቲ ኣካይዳኡ በየናይ መነጽር ከም ዝርእዮ ኣይርደኣካን እዩ። ዓለም ብዓለማ “ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝጨከነ፡ ብልኡላውነት ሃገር ዝተዋገየ፡ ሰብኣውነት ዘየብሉ፡ ዝብሎ እምበር ዝበሃሎ ዘይሰምዕ ጸማም” ምዃኑ እንዳነገረቶ፡ ኣብ ክንዲ ተመሊሱ ንነብሱ ምፍታሽ፡ ዞና ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከወሃህድ መገሻ ምጅማሩ ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ። ኣብ ርእሲ ተንኮለኛን ጨካንን “ዓሻ” ክብልዎ ዝተደናደኑ’ውን ነይሮም። እንተኾነ ወዮ ኣብ ገዝኡ ዝጀመሮ ዘይሓሊ ኣካይዳ፡ ኣብ ዘዝኸዶ ክስዕቦ ግድን ስለ ዝኾነ ኣይሰለጦን። ምናልባት እውን ነተን ሃገራት መሊሱ ጉዳያተን ዘጋድድ ዳንዴር ዘሪኡለን ይኸውን።