ሕድሮም ዝተጠልመ ሰራሕቲ ፈንቅል
2025-02-16 11:04:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 197 timesካብቶም ክሕደሱ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ህንጻታት ምጽዋዕ ሓደ
ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ምጽዋዕ፡ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ፡ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ሓደ ካብ መቐይሮታት ዝነበረ ውግእ ከም ዝተኻየደ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ስርሒት፡ ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምጽዋዕ ከም ዘኸተመ ዘረጋገጸ ምንባሩ ይዝከር። መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ድሕሪ ምፍንቃሉ ንሱ ዝገደፎ ወጽዓን ድሕረትን እውን መሊኡ ንክፍንቀል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሕድሪ ከም ዝነበረ ዘማትእ ኣይኮነን። ስዉኣት ኤርትራ ኩሉ ውጽዓኣ ተፈንቂሉ ምስተደርበየ ኣብ ክንድኡ ራህዋ፡ ሃገሮም ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ንክትከውን ናብ ብጾቶም “ሕድርኹም” እናበሉ ዝሓለፉ እዮም። “እሞ መብጸዓኦም ተኺቡሩዶ ኣይፋሉን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ድማ ብሓፈሻ ንመላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ነታ ሕድሪ ፈንቀልቲ ስዉኣት ዝተቓለሓላ ከተማ ምጽዋዕ ተዓዚብካ እቲ መልሲ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ ሓደ-ክልተ ኢልካ ምጽብጻብ ዘድሊ ኣይኮነን።
እቲ ንመጻኢት ኤርትራ ሰናይ ዝተመነየ ሕድሪ፡ ናይቶም ኣብ ምጽዋዕ ዝተሰውኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም እቶም ምስ ኩለን ውድባት ተሰሊፎም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልስን ዓውዲ ውግኣትን ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። እቶም ዝተጠለሙ እውን ኩላቶም እቶም ሰብ ተመሳሳሊ ሕድሪ እምበር ናይ ፈንቅል ስዉኣት ጥራይ ኣይኮኑን። ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕድሪ ስዉኣት ዝፍጽሞ ጥልመት ንምሽፋን ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ካብቲ መህደሚታቱ ሓደ ከኣ ዕለትን ዓመትን ብምጽብጻብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ኣደባባያትን ንብዓት ሓርገጽ እናንባዕካ ዝግበር ዳንኬራን መጠበሪ ተዋስኦታትን ዘይተፈልዮ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስቁንቋን እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንመበል 35 ዓመት እቲ ዝኽሪ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክርእአ እንከሎ፡ ብዝዛሕተለ ስምዒትን ውሑዳት ተሳተፍትን ተዘኪሩ። እዚ ዝኽሪ ኣብታ ድሕሪ ነጻነት ቁስላ ሓውዩ ናብ ንቡር ክትምለስ ተጸብያ ዘይሰመረላ ወደባዊት ከተማ እዩ ነይሩ። ከተማ ምጽዋዕ ሎሚ ካብቲ ብስንክቲ ውግእ ፈሪሳ መልክዓ ዝተደወነቶ ኣብ ዝገደደ ደንደስ ምፍራስ ከም እትርከብ ዝረአ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምዝራብ ዘድሊ ኣይኮነን።
ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዛ ክፈርሕ እንከሎ ዝሕበኣላ፡ ክርህዎ እንከሎ ከኣ ዝሕንብሰላ ወደባዊት ከተማ ኮይኑ ብዛዕባ ፍሉይነት ናይቲ ውግእ ክምድር እንከሎ ብኣኣ ከኣ ይሕጭጭ። ወትሩ ኣብ መድረኻት ነታ ብሰንኩ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ዘሎ “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ግና ኣበይ ኣላ?” እናበለ ክሳብ ክንደይ ሓላፍነታዊ ዘይምዃኑ የርኢ።
ትርጉም መስዋእቲ ኣብ ምጽዋዕ ነቲ ኣብኡ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት መግዛእቲ ብኣካል ፈንቂልካ ምጽራግ ጥራይ ኣይነበረን። ዝያዳ ትርጉሙን ተልእኮኡን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ጭቆናን ድሕረትን ሓግሒድካ ምጉሓፍ እዩ ነይሩ። መልእኽትን ሕድርን ናይቶም ስዉኣት ከኣ እቲ ምፍንቃል ምሉእ ኮይኑ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ዝተኣማምን ራህዋ፡ ሓርነትን ህዝባዊ ልዕልናን ዘውሓሰት ክትከውን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን መልክዑን ኣተገባብራኡን ደኣ ቀይሩን ረቒቑን እምበር፡ እቲ ክፍንቀል ዝነበሮ ተግባራት መግዛእቲ ኣብታ ብጀጋኑ ደቃ ነጻ ዝኾነት ኤርትራ እውን ኣስፋሕፊሑ እዩ ዝርከብ። እቲ ከም መግለጺ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣት ብሓይልታት ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ከኣ መስርሕ ፍትሓዊ ምፍንቃል ጭቆና ቀጻሊ ምህላዉ ዘርኢ እዩ።
ሎሚ ብዙሓት ደቂ እቶም ኣብ ስርሒት ፈንቅልን ካለኦት ናይ ጅግንነት ዓውድን ዝተሰውኡ ኣስማቶም እናተረቑሐ፡ ኣብ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ግዳይ ዝተፈላለዩ ጸገማት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ኤርትራ ብናይ ብዙሓት መስዋእቲ ተጋሂዳ፡ መላእ ህዝባ ዝጭቆነላ ዘሎ ሃገር እያ። ናይ ኩሎም’ቶም ስዉኣት ናይ “ሕድረይ ከይጥለም ሓደራ” መልእኽቲ ትርጉም ተመሳሳሊ ነይሩ። ስዉኣት ድሕሪ ነጻነት ጀግንነቶም ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር እምበር፡ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ተረሲዑ ብዛዕባኦም ኣብ መድረኻት፡ መዓልቲ ናጽነት፡ ዕለተ ሰማእታት ስርሒት ፈንቀልን ዝኣመሰሉን ኣጋጣምታት እናተዘመረን እናተገጥመን ንብዓት ጥልመት ክበዓሎም ኣይነበረን።
ምጽዋዕ ብዕንወታ እናነበዐት ዓመት ዓመት እትሰምዖ ብስም ፈንቅል መደረን ግጥምን፡ ለበዋ ስዉኣት ዘረስዕ መደንዘዝን መዳህለልን እዩ። ህግደፍ ኣብቲ ኣጋጣምታት “ብሳላ መስዋእትኹም ከምዚ ዝኣመሰለ ንኤርትራን ህዝባን ዝጠቅም ሃኒጽናን ትካላዊ ምምሕዳር ዘርጊሕናን” ክብል ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይ ውግእን ህውከትን መደረን ጭረሖታትን ንክቃላሕ’ዩ ዝእዝዝ። ያኢ ከም ሕድሪ ስዉኣት ምሕላው ተወሲዱስ፡ ዝተሰዋእኩምሉ መዛግብ (ድፋዓት) ነሕድሶ ኣለና ክብል እውን ይስማዕ።
ህዝቢ ኤርትራኸ “ክሳብ መዓስ እዩ እቲ ረዚን ሕድሪ ደቁ ተጠሊሙ፡ እቲ ጉዕዞ ብኣንጻሩ ኮይኑ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ኣብ ዘይሓይሽ ህይወት እናነበረ ምጽማም ክመርጽ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ እዩ። ስለዚ “ደቅናኮ ነዓና ንዘይትኸውን ኤርትራ ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡ ስለዚ ስለምንታይ እዩ ናይ መስዋእቶም ጻማ ዝሕረመና?” ኢሉ ካብ ምሕታት ተዓዚሙ ክነብር ንቡር ኣይኮነን።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣት ደቁን ብዘለዎ ንዕቀት ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ዝቐደመ መስዋእቲ ትርጉም ኣስኢኑስ፡ ብዘይጣዕሳን ስኽፍታን ካልእ ውግኣትን ዕንወትን ክዕድም ተራእዩ እዩ። ሎሚ’ውን ካብኡ ኣይወጸን። ኣብዚ እውን፡ “ካብ ዝሓለፈ ኣይረባሕናን እሞ ደጊምስ ይኣኽለና ደኣ” ዝብል ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምስምዑ፡ “እዚኸ ምስ ምንታይ ይቑጸር?” ዘየብል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ውሕጅሲ እናስሓቑ ይወስድ” ዝብል ምስላ ኣበው ዘንጊዑ፡ ብግጉይ ስብከት ህግደፍ ተሰሊቡ ብስቕታ እንተቐጺሉ፡ ሕድሪ ስዉኣት ደቁ ተኸቢሩ፡ ኣብ ነጻ ኤርትራ ብሓርነት ምንባሩ ተረፉ፡ እታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ነጻነቱ እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ከይትኣቱ ዘየሻቕል ኣይኮነን።