መበል 13 ዓመት ዝኽሪ መጭወይቲ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም

2025-02-14 07:43:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 656 times

ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ሓርበኛ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ ድሃዩ ካብ ዘጥፍእ ሎሚ ዕለት14 ለካቲት 2025፡ 13 ዓመቱ ኮይኑ።  እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ዕለታት ኮይና፡ ከምተን ካለኦት ብጾት ዝጠፍኡለን ዕለታት እንዝክራ እያ። ከምዛ ንዕኡ ዘጋጠመቶ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም፡ ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን እውን ኣይንርሰዖምን ኢና። እዞም ሓርበኛታት እውን ካብ ሱዳን ከተማ ከሰላ ካብ ዝጭወዩ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት 33 ዓመት ክመልኦም እዩ። እነሆ ከኣ ዕድመ ማእሰርቶም ንዕድመ ማእሰርቲ ናይቲ ናይ መሰል ተቓላሲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንደላ ኣዕርዩ ሓሊፍዎ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ጣዕሚ ንእስነት ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽውፈዩ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ኢዩ።   ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፡ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንታኡ ኩሉ ዝካኣሎም ካብ ዘበርከቱን ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ። ወዲ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ ሰራዊት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነትን ክርከብ ከምዘይካኣል ተገንዚቡ  ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ። ወተሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ተጻዊሩ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ኣብ 1970 ኣብ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ።

ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ብመንጽር ሃገራዊ ስምረት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን መዚኑ ብዛዕባኡ እዚ ዝስዕብ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ መደብ ዕዮን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ  ተቐቢሎም ክምለሱ ይጽውዕ።

ለ. መሪሕነት ተሓኤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ ጸገም ንኽፍታሕን ካብቲ ዝነበሮ ከይገድድን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ፡ ብዝብል ዝወሰኖ ውሳነታት መስረት፡  መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብ ኣባላት ናይታ ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንኽትራኸብ  ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ «ንሕናን ዕላማናን» ዝብል ኢሳያስ ዘበገሶ ጸቢብን ዘይግሉጽን መደባት ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን። እቲ ዝገደደ ምብትታንን ብርሰትን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና በጺሑ እነሆ። መሪሕነት ተሐኤ ምስቲ ዝነበሮ ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፡ ከቢድ ጻዕርታት ገይራ እያ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ንፍትሕን ሓርነትን ህዝቢ ካልእ ንዘይባሃጉ ተጋደልቲ ጨውዩ ከጥፍእ እዩ መርሆኡ።    

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ቅድም መራሒ ሓይሊ ደሓር ከኣ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ተቓሊሱ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ሶርያ ደማስቆ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተኸታቲሉ ብደረጃ መዓርግ ትሊንቲ (ሓለቓ 100) ተመሪቑ ናብ ሜዳ ተመሊሱ ብዝዓበየ ዓቕሙ ቃልሱ ቀጺሉ። ብዙሕ ከይጸነሐ ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ከበሳ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ   ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳብ 1978 መራሒ ሓይሊ ነይሩ። ቀጺሉውን ክሳብ 1980 : ኣብ ትሕቲ መራሕ ብሪገድ 61 ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ቀዳመይቲ በጠሎኒ መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ  ናይ ቃልሲ ፍናኑ ከየውደቐን ተስፋ ከይቆረጸን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ፡ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን መንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ምስ ዝጀመረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

ህሓሓኤ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብ ዝተፋናጨለሉ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝርከቦም ልዕሊ 73 ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራይ፣ በብእዋኑ ተኣሲሮም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብወታሃደራዊ ክንፊ  ጉጅለ ጃስር ካብ ዝተሓተ  ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት  ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን። ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጉጅለ ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብቲ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበ እንደገና ኣብ ቀይዲ ህዝባዊ ግንባር ኣተወ። ካብ ጸልማት ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳብ ድሮ ናጽነት ኤርትራ ተኣሲሩ።

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሕሰምን ኣደራዕን ኣብ ምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፡ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ እተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ ኮነ ዝፈጸሞ ገበን የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ብህግሓኤ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝተጸበያ ውድብ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ተመሊሱ፡ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ማእሰርትን ናብ ሱዳን ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም ናብ ውድቦም ተጸንቢሮም ቃልሶም ዝቐጸሉ ተጋደልቲ ኣሰፋው በርሀ፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን፡ ዑስማን መሓመድን ዝርከብዎም ነይሮም። ከምኡ ውን ሓው ተስፋይ ርእሶምን ካልኦት ድሕሪ ነጻነት ካብ ኣስመራ ናብ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ኣብ ውድቦም ብምጽንባር ቃልሶም ዝቐጸሉ ብጾት እዮም። 

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዘጋጠሞ ማእሰርትን ስቅያትን ኣይተዳህለን ኣይሰኮነን ዝያዳኳ ዳኣ መሊሱ ሓሪኑ ካብ ናይ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ጽሕፈት  ተመዚዙ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይን መስመርን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ምስ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብ ዘይርከበሉ፡ ድምጹ ኣብዘይስማዓሉ ኣብ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።

መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን እዩ። በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስ ኣተወ ስለ ዝተወልደ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ። ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዝገበሮ በዓል 1986 ወይዘሮ ሓሊማ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራኸብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ረኪቡ ከም ዝነበረ ይዝከር። ማጂድ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ፣ ስለ ዘይተመልሰ ዘኽቲሙ ዓብዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ህግደፍ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝባ ናጽነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወትሉ እዋን ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብና መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ቃልሲ ይጽበየና ከምዘሎ ተገንዚብና ክንልዓል ይግባእ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን፡ ዲሞክራሲያዊ ምዕባለን ንቃለስ

Last modified on Friday, 14 February 2025 08:59