ኣብ ጀርመን ሓደ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ፡ ካብ መኪና ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከም ዝቖሰለ ተገሊጹ። ፖሊስ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝነቐለ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ኮኒንዎ።
እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝተገለጸ ሰብ፡ ነቲ ግዳይ ብዘይ ዝኾነ ካልእ ምኽንያት ብሕብሪ ቆርበቱ ጥራይ፡ ዕላማ ከም ዝገበሮ ኣኽባር ሕጊ ከተማ ፍራንክፈርተ ኣሌክሳንደር ባድል ሓቢሩ።
እቲ ሰለስተ ጠያይቲ ዝተተኮሶ ኤርትራዊ፡ ድሕሪ ዝተገበረሉ ሕክምና፡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘሎ፡ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
- ሚኒስተር ጀርመን ብሰንኪ ስደተኛታት ስልጣኖም ክለቁ ተሓንዮም
- በርሊን ንሓሙሽተ ዓመት ወሰኽ ክራይ ገዛ ከይግበር ኣጊዳ
- ሸሞንተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሰማሚዐን
እቲ ጥርጡር ወዲ 55 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ ተረኺቡ።
ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ እቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ከም ዝረኸበን፡ እቲ ሰብኣይ ርእሰ ቅትለት ምፍጻሙ ከም ዝኣምንን ገሊጹ።
እቲ ኣብ ዋችተርባኽ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓሌታዊ ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ፡ ሰብ መዚ ጀርመን ግና ምስ ሕሉፋት የማናውያን ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።
ኣኽባር ሕጊ ባድል ኣሌክሳንደር "ዛጊት፡ ምስ የማናይ ክንፊ ምትሕሓዝ እንተለዎ ዘርእይ መርትዖ የብልናን" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ንስደተኛታት ዝጣበቕ ፖለቲከኛ ብሕሉፋት የማናውያን ምቕታሉ፡ ኣብ ጀርመን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ እዩ።
ኣሃዱታት ጸጥታ ጀርመን ነቲ ንናይ ሕሉፋት የማናውያን ጎንጺ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ይኽሰሱ እዮም።
ሬሳ ናይቲ ተጠርጣሪ፡ እቲ ፍጻመ ካብ ዘጋጠመሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ፍራንክፈርት፡ ከባቢ ሸውዓተ ኪሎሜተር ርሒቑ ተረኺቡ።
ኣብ መኪንኡ ክልተ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከኣ ካልእ ሰለስተ ብረት ክርከብ ከሎ፡ ኩሉ ብሕጋዊ መገዲ ዝወነኖ ምዃኑ ተገሊጹ።