ዶር ሙላቱ ተሾመ፡ ንኤርትራ ከም ጠንቂ ውግኣት ናይ’ዚ ዞባ ከሲስዋ
2025-02-18 11:09:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 479 timesኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ሙላቱ ተሾመን ብ2021 ከም ሎሚ ከይኮነ
ኢትዮጵያዊ ምሁር ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ፡ ኣብ ኣልጀዚራ ሓሳብ (opinion) ኣብ ዝብል ዓምዲ፡ ኣብ ትሕቲ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ዝብል ኣርእስቲ፡ ብ17 ለካቲት 2025 ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ ንኤርትራ ኣብ ዞባና ሓድሽ ውግእ ክተኣጉድ ትደሊ ምህላዋ ከሲሱ። ንሱ ኣብቲ ሰፊሕ ጽሑፉ፡ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን፡ ኣብዚ ዞባ ኣብ ዝተፈጠሩ ውግኣት ኢዳ ከተእቱ ዝጸንሐት እያ ክብል ገሊጽዋ።
ዝያዳ ዝርዝር ብምጥቃስ ከኣ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣት ኩሎም ኢድ ኤርትራ ከም ዝነበሮም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ካብ 1993 ጀሚሩ እንኮ መራሒ ኤርትራ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ውግእ ንምእጓድ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ክሳብ ሃገራት ኣበይቲ ቀላያት ዝኸይድ እዩ ኢልዎ። .
ዶር ሙላቱ ተሾመ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ 33 ዓመታት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ስልጣን ግዜ፡ ህላወ ፓርላማን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ኮታ ኩሎም ትካላዊ ኣካላት መንግስቲ ዝበኾሩሉ፡ ንቡር መንግስታዊ ምምሕዳር ተሓሪምዋ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ወዲቓ ዘላ ሃገር ምዃና ኣስፊሩ። ኣብ ኤርትራ ገደቡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ብምጥቃ ከኣ፡ እታ ሃገር ብዘይካ ውሱን ዘይሕጋዊ ወርቂ፡ ስደት መንእሰያት እንተዘይኮይኑ ካልእ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ሰደድ ዘየብላ ሃገር እያ እውን ኢሉ።
ኣብ ዞባና ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ጐንጽታት ምጽሕታር፡ ምድጋፍ ዓመጸኛታት፡ ወይ ድማ ምሕጋዝ ውግእን ምክፍፋልን ዝሃርፉ ወገናት ቀንዲ ተግባራት ኤርትራ እዩ ምስ በለ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ብዓይኒ ጽልኢ ክርእዮም ዝጸንሐ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ 1998-2000 ዝተዋገኦም መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሎሚ ነቲ ኣብ ውሽጦም ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ክምዝምዞ ይጽዕር ከም ዝሎ ኣብቲ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
እቲ ዶር፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውረደ ደይብ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ኩነታት ንምቕያር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ተበግሶ ወሲዱ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተኣትዩ ምንባሩ ሓቢሩ። እንተኾነ ኢሳያስ ምህናጽ ናይ ሓባር ትሕተ-ቅርጻን ምዕባይ ሓባራዊ ቁጠባዊ ዓቕምን ድሌት ስለ ዘየርኣየ እቲ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ክቕጽል ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
ኣተሓሒዙ ድማ ህወሓት ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ዝለመዶ ስልጣን መንግስቲ ክቆጻጸር ፈቲኑ ምስ ዘይኮነሉ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ምስ ተኣተወ፡ ኢሳያስ ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ከም ዝፈተነን ውዕል ፕሪቶርያ ምስተኸተመ ግና ውድቀቱ ኮይኑ ረኺብዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ውግእ ትግራይ ክቕጽል ህርፋኑ ስለ ዝነበረ ክብል እውን ዶር ሙላቱ ጽሒፉ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ተመሊሱ ምሉእ ብምሉእ ንክፈርስ ድሌቱ ምዃኑ ከሲሱ፡ ሓደ ክፋል ህወሓትን ደጋፊኡ ወተሃደራዊ ጉጅለን ድማ ተመሳሳሊ ድሌት ከም ዘለዎም ዘመልክት ተርእዮ ከም ዝሎ ጠቒሱ፡ ናይዚ ሳዕቤን ንኢትዮጵያ ኮነ ዞባና ሓደገኛ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ። ኣብ መወድእታ ድማ ዓለም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ጸረ ሰላም ወገናት ንምዕጋት ዲፕሎማሲያዊ ስጉምቲ ንክትወድ ጸዊዑ።
መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ናይ ኤርትራ ናብ ውግእ ትግራይ ምእታው ተኣሚኖም፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዝብልዎ ወተሃደራዊ ዓወት ብዘይተሳትፎ ኤርትራ ኣይመተረጋገጸን ክብሉ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።
ዶር ሙላቱ ተሾመ፡ ሚኒስተር ሕርሻ፡ 5 ዓመታት ፕረሲደት ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰነ ዓመታት ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ኣብ ቻይና፡ ቱርክን ኣዘርባዣንን ከኣ ኣንበሳደር ኮይኑ ዝሰርሐን፡ ሎሚ ድማ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዲፕሎማት እዩ።