ድሕሪ ምድርባይ ፕሮፖጋንዳኸ ናበይ?
2025-02-20 09:43:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 613 times“ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ” ካብቶም ብጻዕቂ ከተሓትቱ ዝጸንሑ መድረኻዊ ዛዕባታት ሓደ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ነዚ ሕቶ ገለ ወገናት፡ “የንቆልቁል እዩ ዘሎ” ኢሎም ክምልስዎ እንከለዉ፡ ካለኦት ከኣ “እዞም መንግስታት እዚኣቶም ዘይእሙናትን ኣካይዳኦም ዘይፍለጥን ስለ ዝኾኑ፡”ዝምድናኦም ኣብ ከምዚ ደረጃ እዩ ዘሎ ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ” ክብሉ እዮም ጸኒሖም።
እቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ኮይኑ፡ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብፍላይ ብወገን’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝኽተሎ መንገዲ ትካላውን ግሉጽን ብሰንኪ ዘይምዃኑ እዩ። እንተኾነ ብዝያዳ ድሕሪ ምኽታም ምቁራጽ ህውከት ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቶም ብክልቲኦም ወገናት፡ እናተቛራረጹ ብኢድ ኣዙራዊ ኣገባብ ክቃልሑ ዝጸንሑ ፖሮፓጋንዳዊ ወስታታት ኣላጊብካ፡ ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ እቲ ዝምድና “ኣዝዩ እናሓርፈፈ” ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ምግማቱ ዘጸግም ኣይነበረን።
ካብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣዝዮም ከም ዝተረሓሓቑ ዘርእዩ ግሁዳት ምልክታት ይስምዑ ኣለዉ። “ብሪጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ምክያዱ” ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከይተረፈ ምስተቃልሐ፡ ብወገን ኤርትራ እውን ግብረ መልሲ ብዝመስል፡ “ኣብ ሰለስተ መራክብ ኣዘርባጃን ተጻዒኑ ዝነበረ ኣጽዋር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ተወሪሱ” ዝብል ተሃዋሲ ዛዕባ ተወዓዊዑ። ከይደንጐየ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ድሮ መበል 38 ዓመታዊ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃነጾ ዓለምለኻዊ ማእከል ኣኼባ (international convention center) ኣብ ህላወ ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ኣቶ ታየ ኣጽቀስላሴ ከመርቕ እንከሎ ዝሰቐልዎ ካርታ ኣፍሪቃ ንሰፊሕ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ኮይኑ ምስ ተራእየ፡ ምስቲ ከስምዕዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ህርፋን ወደብ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ተደሚሩ ሓያል ናይ ፕሮፖጋንዳ ማዕበል ኣልዒሉ።
እቲ ተረኽቦ ነቲ ዝተረስዐ ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ብምኽንያት ጽንብል በዓል ጥምቀት 2020 ኣብ ዝተሰናደአ ናይ ጐደና ምርኢት ንምልእቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ ካርታ ብምዝርግሑ ህግደፍኳ እንተዘይተዛረበሉ፡ ናይ ብዙሓት መዘራራቢ ኮይኑ ከም ዝነበረ ዘዘኻኽር ኮይኑ ቀንዩ። ኣብቲ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይህብ ካርታ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ዕዱም ተሳታፊ ዝነበረ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ርእዩ ከምዘይረኣየ ምዃኑ ከኣ፡ ከም ሓድሽ ክትዝክሮ ዘገድድ ክስተት እዩ ኮይኑ’ሎ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ንገለ ክፋል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዘእተወ፡ እሞ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ ሕብረት ኣፍሪቃ መብርሂ ዘይተዋህበሉ ክስተት’ውን ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ጉዳይ ፈጻሚ ኤርትራ ኣቶ ቢንያም’ውን ድምጹ ኣይተሰምዐን። ጸኒሑ ግና፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል “ጽንብላሊዕሲ ነብሳ ዘይከደነት መሬት ከደነት” ዝብል ግና ድማ ዕምቆት ብዘየብሉ ኣቀራርባ ግብረ መልሲ ስለ ዘስመዐ፡ እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ምድርባይ ፊትንፊት ናይ ምዃን ምልክት ኣርእዩ።
ኢትዮጵያዊ ምሁርን ዲፕሎማትን ዶር ሙላቱ ተሾመ ዊርጡ፡ ብ17 ለካቲት 2025 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዓምዲ ርኢቶ፡ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ነቲ ሕማቕ ምስልን ገበናትን ኢሳያስ ኣፈወርን ጉጅለኡን ዝዳህሰሰ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ውግእ ናይ ምኽፋት ሓድሽ ድሌት ከምዘለዎ ብምጥቃስ ተሪር ክሲ ኣቕሪቡ። ነዚ እውን ብወገን ኤርትራ ኣብ 8 ነጥብታት ዘተኩር ኮይኑ፡ “እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት ኢትዮጵያ ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ብዝብል ዝጠቓለል መልሲ ሂብሉ። እዚ ተወሲኽዎ ድማ እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ጥምጥም ቀጥታዊ መንግስታዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ ዘርኢ ተወሳኺ መርተዖ እዩ። ትሕዝቶ ናይቲ ዝካሰስዎ ዘለዉ ቅድሚ ሕጂ’ውን ዝተባህለ ኮይኑ፡ ርክቦም ኣብ ሕማቕ ደረጃ ምብጽሑ ብንጹር ዘረድእ እዩ። ኢትዮጵያ በቲ ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝዋሳእ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል መዚ ዶር ተሾመ ኣቢላ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ክብደት ኣንጻር ኤርትራ ዝኸሰሰት፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብኤርትራ “ንተቓወምተይ ብጋህዲ መድረኽ ሂባ” ተባሂላ ኣብ እተኸሰስትሉን ብኣንጻሩ ድማ “ኤርትራ ኣባላት ፋኖ ኣሰልጢናን ኣዕጢቓን ናብ ክልል ኣምሓራ ተእቱ ኣላ” ተርባሂላ ኣብ እተኸሰሰትሉን ግዜ ምዃኑ ከኣ ነቲ ምስሕሓባ ዝያዳ ኣኽሪርዎ’ሎ።
እዚ ዝረአ ዘሎ ምውጣጥ ሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ውህሉል ናይቲ ዘይሓላፍነታውን ዘይትካላውን ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍን ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛ ፖሊሲ ዝምድና ሰልፊ ብልጽግናን ተወሲኽዎ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ምኽንያቱ እቲ መጨበጢ ዘይብሉን ኣርሒቑ ዘይርእን ዳንኬራ ኢሳይስ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይና እዩ፡ ኣብይ እንተደሊኻ ዓሰብ፡ ምጽዋዕ፡ ተስነይን ኦሞሓጀርን ፈቓድ ከይሓተትካ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ” ዝብል ዝነበረ ብስምዒት ዝተዓብለለ ናይ ኢሳያስ ዓጀውጀው፡ ዘኽፍሎ ዘሎ ዋጋ ምዃኑ ዘንጊዕካ፡ ኣጻብዕትኻ ናብ መንግስቲ ብልጽግና ጥራይ ምውጥዋጥ ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል እዩ ዝኸውን።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ፍቕሪ ሓድሽ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዓቲሮም፡ ጐረርኦም ክሳብ ዝልሕትት “ተደሚርና ኢና፡ ፍቕሪ ይሶር” እናበሉ ዝድብሉ እዢርዕም ዠይራዩ ኤርትራውያን ምንባሮም’ውን ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እቲ ካርታ ኤርትራ ቆራርጽካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው እውን፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብይ ኣሕመድ “ኣነን ወዲ ኣፎም ተደሚርና ዓሰብ ንካፈል፡ ቀይሕ ባሕሪ ማዕረ ፈለግ ኣባይ ናይ ኢትዮጵያ ህልውና ወሳኒ እዩ” ዝብሎ ዝነበረ ህርፋን መቐጸልታ እምበር ሓድሽ ዘይምዃኑ ምዃኑ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ’ዩ።
እቲ ፍትሕ ተጋሂዱ ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ ሕጂ “ዝምድናኦም ኣብ ከመይ ደረጃ’ሎ?” ኣጀንዳ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ምስሕሓብ ዝያዳ ተወጢሩ፡ ናብቲ ህዝብና ስለ ዘይረብሓሉ “ወትሩ እንቃወሞ ውግእዶ ይዓርግ ይኸውን?” ዝብል ስግኣት እዩ መዛረቢ ኣጀንዳ ዝኸውን። ውግእ ድሕሪ ሕጂ’ውን ናይ ዝኾነ ጸገም መፍትሒ ከምዘይከውን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ዝምስክር የለን። ስለዚ ህዝብና በቲ ሓደ ወገን ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዝዕቅብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንውግእን ሳዕቤኑን ዕድል ዘይህብ ኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ከካይድ ኣብ ዝግደደሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዉ ክርዳእን ብግብሪ ክስለፈሉን ይግብኦ።